12
KkF 18 –Kq cÿ.249 ረቡዕ 17 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ ²Ãö-3 ²Ãö-9 ንእሽቶ እንቊርዖብ ኣብ ንእሽቶ ዒላ ²Ãö-3 ግድሰካ ምበ ²Ãö-9 ንእሽቶ እንቊርዖብ ኣብ ንእሽቶ ²Ãö-5 ሕማም ኣዝማን ፍወሳኡን ²Ãö-4 ሽም ቀይራ ²Ãö-10 ክልክልቲ ከተማ 0 0 0 0 0 0 0 0 0 0 9 9 9 9 9 9 9 2 2 ደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲ ግዜ ንሰዓቢኡ ወርቂ ቀርሰና። ቀጥታዊ ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝፈጸሞ ወራር ከምዝኾነ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ። ብዛዕባ ጉዳይ ቀርሰና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ዝዘተየ ዋዕላ ገሊጹ፣ ኣብቲ ኣብ ሶል - ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ዝተጋብአን ላዕለዎት ሰበ - ስልጣንን ወከልቲ ሃገራትን ዝተሳተፍዎን ዋዕላ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ። ኣብ 2006 ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑዎ ዝነበረ ሶማልያ። ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ወራር ድሕሪ ምፍጻማ መሊሱ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዝተሸመ ብምምልካት። እዚ ቅሉዕ ወራር - ሕጋዊ። ሞራላዊ። ፖለቲካዊ። ታሪኻዊ። ሰብኣውን ቊጠባውን ሳዕቤናት ከምዘኸተለ ብምምልካት። ብዓቢኡ ንምርግጋእን ብልጽግናን ናይቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖን ተርእዮ ቀርሰና ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነን ኣብሪሁ፣ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣስዕቡ። ቀርሰና ክፍታሕ እንተደኣ ኮይኑ። ፈለማ ሱር ናይ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ብሰንኪ ወራሪ ስርዓት ወያነን ኣኸደምቱን ቀርሰና። ቀጥታዊ ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝፈጸሞ ወራር ከምዝኾነ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣነጺሩ ኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ ዘሎ ባዶሽነት ክፍወስ ከምዝግባእ ጸቒጡ ብምስማር። ናብዚ ዘምርሕ ቅኑዕ ተበግሶ ክውሰድ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝጽውዕ ገሊጹ፣ ኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ ዘሎ ባዶሽ። ጥጡሕ ባይታ ንቀርሰና ጥራይ ዘይኮነ። ንዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ። ምስግጋር ሓሽሽን ኣጽዋርን ንግዲ ደቂ ኣዳምን ውን ፈጢሩ ኣሎዝበለ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ። እቲ ጉዳይ መሰረታውን ሓቀኛን ፍታሕ ክረክብ ንዝካየድ ጻዕሪ። ኤርትራ ብምሉእ ዓቕማ ከምእትድግፎ ኣነጺሩ፣ ኤርትራ። ድሕነትን ጸጥታን ናይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ኣህጉራዊ መስመር ባሕሪ ምርግጋጽ ንሰላማ። ምርግጋኣን ዕቤታን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ከምእትኣምን ብምጥቃስ ከኣ። ምስ ተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ግዱሳትን ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ቅርብቲ ምዃና ኣብሪሁ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ። ኤርትራ። ኣንጻር ሃገራዊ ናይ ሰላምን ጸጥታን ፖሊሲኣ ብምዃኑ - ንሓደ ሶማላዊ ጉጅለ ኣንጻር ካልእ ሶማላዊ ጉጅለ ከምዘይትድግፍ ብምግላጽ። ኤርትራ ናብ ኣጠቓላሊ ሶማላዊ ፍታሕ ንዝመርሕ ሓቀኛ ጻዕርታት ሰላም ከምእትድግፍ ሓቢሩ፣ ኤርትራ። ብሰንኪ ምድካይ መሬትን ደርቅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተኸሲቱ ንዘሎ ምድረ - በዳነት ንምምካት። ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ተሰላስል ምህላዋ። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ልምዓት ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ - መሕትት ገሊጹ፣ ልዕሊ 70 ሚእታዊ መነባብሮ ህዝብና ኣብ ሕርሻ ከም ዝምርኰስ ዝጠቐሰ ኣቶ ሕሩይ። ብባህርያዊ ኩነታትን ንጥፈታት ወዲ - ሰብን ስድራቤት ስውኣት ብዝሓሸ ኣገባብ ንምንባይን ንምሕብሓብን ብህዝብን መንግስትን ብዝካየድ ዘሎ ዝተወሃሃደ ጻዕርታት። ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ጋሽ- ባርካ ንዝርከቡ ስድራ- ስውኣት ነናብ ቦታኦም ዝንቀሳቐስ ኣገባብ ክፍሊት ደበስ ብምጅማሩ። እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ክሳራን ድኻምን ከምእተቓለለ ኣብሪሆም፣ እቶም ስድራ ስውኣት ቀጺሎም። መስርሕ ደበስ ናብ ንኡሳን ዞባታት ብምቕያሩ ውጽኢታውን ሓጋዝንእንተኾነ። ከፊልቲ ኣብዝቘጸርዎም ግዜ ይርከቡ ብዘይምህላዎም ምምልላስ ይርአ ብምህላው። ምምሕዳር ዞባ ጋሽ- ባርካ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጸዊዖም፣ ኣካያዲት ስራሕ ምሕደራ ማዕከን መልዕሎ ነቑጣ ባረንቱ ወይዘሮ ሰናይት ዑመር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣቑርደት። ድገ። መንሱራ። መጎሎ። ሞልቊ። ሻምብቆን ላዕላይ- ጋሽ ንዝቕመጡ ስድራ- ስውኣት። ናብ ንኡስ ዞባኦም እናተንቀሳቐሱ ይኸፍሉ ከምዘለው ብምሕባር። ነቶም ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን ጎፕን ዝቕመጡ ተደበስቲ ግን። ምስ ዘለዎም ቅርበት ቦታ ኣብ ነቑጣ ባረንቱ ይኽፈሉ ምህላዎም ኣፍሊጣ፣ ኣካያዲ ስራሕ ማዕከን መልዕሎ ነቑጣ ተሰነይ ቐሺ ጠዓመ መንግስትኣብ ብወገኑ። ብመንገዲ ነቑጣኦም ዝኽፈሉ - ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ። ሃይኮታን ፎርቶ ሳዋን ዝቕመጡ ስድራቤት ስውኣት። ካብ መወዳእታ 2007 ጀሚሮም እናተንቀሳቐሱ ክኸፍልዎም ከምዝጸንሑ ድሕሪ ምግላጽ። እቲ ዝርአ ምድንጓይ ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2009 ኣብ ዞባ ጋሽ- ባርካ ንዝርከቡ ተደበስቲ ልዕሊ 12.2 ሚልዮን ናቕፋ ተኸፊሉ ከምዘሎ። ካብ ነቑጣታት ምሕደራ ማዕከን መልዕሎ ባረንቱን ተሰነይን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት፣ ኣብ ዞባ ጋሽ - ባርካ። ስድራ - ቤት ስውኣት ኣብ ከባቢኦም ደበስ ብምኽፋሎም ምስጋንኦም ገሊጾም ቀጻሊ ምድካይ መሬትን ሳዕቤናት ደርቂን ከምዝርአ ብምግላጽ። ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ምድካይ መሬት፤ ምቕይያር ክሊማ። ምብራስ ኣግራብ። ናይ ሕርሻ ቦታ ብዘይ ዕረፍቲ ምሕራስ። ምቚጥቋጥን ምብራስን ኣግራብ ምዃኖም ሓቢሩ፣ ዝርአ ዘሎ ዘይውሕሉል ኣጠቓቕማ መሬት። ብፍላይ ኣብ ከበሳን ሓውሲ ከበሳን ንፍርያምነት መሬት ኣዝዩ ኣጒዲልዎ ከምዝርከብ ብምምልካት። መሬት ንምህብታምን ንምሕዳስን ተባሂሉ ዛጊት ዝተወስደ ኤርትራ። ምድረ - በዳነት ንምምካት ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ተሰላስል ስጉምቲ ዘተባብዕ እንተኾነ። ምስቲ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምድካይ መሬትን ሳዕቤን ደርቅን ኣዝዩ ውሱን ብምዃኑ። ንመጻኢ ብዝለዓለ ኪድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣቶ ሕሩይ ኣዘኻኺሩ፣ ሚኒስትሪ ሕርሻ ከም ኣካል ሃገራዊ ልምዓትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምስ ካልኦት ትካላት መንግስትን መሻርኽትን ብምትሕብባር። ካብ ጽባሕ ናጽነት ዘሰላስሎም ዘሎ ዓበይቲ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብን። ህያው ኣብነት ናይቲ ምድካይ መሬትን ብምምካት ብሩህ መጻኢ ናብ 2 ገጽ ይቕጽል

Haddas Eritrea - June 17, 2009

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: Haddas Eritrea - June 17, 2009

KkF 18 –Kq cÿ.249 ረቡዕ 17 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ

²Ãö-3ይግድሰካ ‘ምበር

²Ãö-9ንእሽቶ እንቊርዖብ ኣብ ንእሽቶ

ዒላ

²Ãö-3ይግድሰካ ‘ምበር

²Ãö-9ንእሽቶ እንቊርዖብ ኣብ ንእሽቶ

ዒላ²Ãö-5

ሕማም ኣዝማን ፍወሳኡን

²Ãö-4ሽም ቀይራ

²Ãö-10 ክልክልቲ ከተማ 00 00000000 ቶ9ቶ99999ቶ922

ደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲ

ግዜ

ንሰዓቢኡ

ወርቂ’ዩ

ቀርሰና። ቀጥታዊ ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝፈጸሞ ወራር ከምዝኾነ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ። ብዛዕባ ጉዳይ ቀርሰና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣብ ዝዘተየ ዋዕላ ገሊጹ፣ኣብቲ ኣብ ሶል - ርእሰ ከተማ ደቡብ

ኮርያ ዝተጋብአን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ወከልቲ ሃገራትን ዝተሳተፍዎን ዋዕላ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ። ኣብ 2006 ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑዎ ዝነበረ ሶማልያ። ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ወራር ድሕሪ ምፍጻማ መሊሱ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዝተሸመ ብምምልካት። እዚ ቅሉዕ ወራር - ሕጋዊ። ሞራላዊ። ፖለቲካዊ። ታሪኻዊ። ሰብኣውን ቊጠባውን ሳዕቤናት ከምዘኸተለ ብምምልካት። ብዓቢኡ ንምርግጋእን ብልጽግናን ናይቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖን ተርእዮ ቀርሰና ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነን ኣብሪሁ፣ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣስዕቡ። ቀርሰና

ክፍታሕ እንተደኣ ኮይኑ። ፈለማ ሱር ናይ’ቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ብሰንኪ ወራሪ ስርዓት ወያነን ኣኸደምቱን

ቀርሰና። ቀጥታዊ ሳዕቤን ናይቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝፈጸሞ ወራር ከምዝኾነ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣነጺሩኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ ዘሎ ባዶሽነት ክፍወስ ከምዝግባእ ጸቒጡ ብምስማር። ናብዚ ዘምርሕ ቅኑዕ ተበግሶ ክውሰድ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝጽውዕ ገሊጹ፣“ኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ

ዘሎ ባዶሽ። ጥጡሕ ባይታ ንቀርሰና ጥራይ ዘይኮነ። ንዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ። ምስግጋር ሓሽሽን ኣጽዋርን ንግዲ ደቂ ኣዳምን’ውን ፈጢሩ ኣሎ” ዝበለ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ። እቲ ጉዳይ መሰረታውን ሓቀኛን ፍታሕ ክረክብ ንዝካየድ ጻዕሪ። ኤርትራ ብምሉእ ዓቕማ ከምእትድግፎ ኣነጺሩ፣ኤርትራ። ድሕነትን ጸጥታን ናይ’ቲ

ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ኣህጉራዊ መስመር ባሕሪ ምርግጋጽ ንሰላማ። ምርግጋኣን ዕቤታን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ከምእትኣምን ብምጥቃስ ከኣ። ምስ’ተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ግዱሳትን

ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ቅርብቲ ምዃና ኣብሪሁ፣ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ

እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ። ኤርትራ። ኣንጻር ሃገራዊ ናይ ሰላምን ጸጥታን ፖሊሲኣ ብምዃኑ - ንሓደ ሶማላዊ ጉጅለ ኣንጻር ካልእ ሶማላዊ ጉጅለ ከምዘይትድግፍ ብምግላጽ። ኤርትራ ናብ ኣጠቓላሊ ሶማላዊ ፍታሕ ንዝመርሕ ሓቀኛ ጻዕርታት ሰላም ከምእትድግፍ ሓቢሩ፣

ኤርትራ። ብሰንኪ ምድካይ መሬትን ደርቅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተኸሲቱ ንዘሎ ምድረ-በዳነት ንምምካት። ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ተሰላስል ምህላዋ። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ልምዓት ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ገሊጹ፣ልዕሊ 70 ሚእታዊ መነባብሮ

ህዝብና ኣብ ሕርሻ ከም ዝምርኰስ ዝጠቐሰ ኣቶ ሕሩይ። ብባህርያዊ ኩነታትን ንጥፈታት ወዲ-ሰብን

ስድራቤት ስውኣት ብዝሓሸ ኣገባብ ንምንባይን ንምሕብሓብን ብህዝብን መንግስትን ብዝካየድ ዘሎ ዝተወሃሃደ ጻዕርታት። ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ንዝርከቡ ስድራ-ስውኣት ነናብ ቦታኦም ዝንቀሳቐስ ኣገባብ ክፍሊት ደበስ ብምጅማሩ። እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ክሳራን ድኻምን ከምእተቓለለ ኣብሪሆም፣

እቶም ስድራ ስውኣት ቀጺሎም። መስርሕ ደበስ ናብ ንኡሳን ዞባታት ብምቕያሩ ውጽኢታውን ሓጋዝን’ኳ እንተኾነ። ከፊልቲ ኣብ’ቲ ዝቘጸርዎም ግዜ ይርከቡ ብዘይምህላዎም ምምልላስ ይርአ ብምህላው። ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጸዊዖም፣

ኣካያዲት ስራሕ ምሕደራ ማዕከን መልዕሎ ነቑጣ ባረንቱ ወይዘሮ ሰናይት ዑመር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣቑርደት። ድገ። መንሱራ። መጎሎ። ሞልቊ። ሻምብቆን ላዕላይ-ጋሽ ንዝቕመጡ ስድራ-ስውኣት።

ናብ ንኡስ ዞባኦም እናተንቀሳቐሱ ይኸፍሉ ከምዘለው ብምሕባር። ነቶም ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን ጎፕን ዝቕመጡ ተደበስቲ ግን። ምስ ዘለዎም ቅርበት ቦታ ኣብ ነቑጣ ባረንቱ ይኽፈሉ ምህላዎም ኣፍሊጣ፣

ኣካያዲ ስራሕ ማዕከን መልዕሎ ነቑጣ ተሰነይ ቐሺ ጠዓመ መንግስትኣብ ብወገኑ። ብመንገዲ ነቑጣኦም ዝኽፈሉ - ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ። ሃይኮታን ፎርቶ ሳዋን ዝቕመጡ ስድራቤት ስውኣት። ካብ መወዳእታ 2007 ጀሚሮም እናተንቀሳቐሱ ክኸፍልዎም ከምዝጸንሑ ድሕሪ ምግላጽ። እቲ ዝርአ ምድንጓይ ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያ ምዃኑ ሓቢሩ፣

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2009 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝርከቡ ተደበስቲ ልዕሊ 12.2 ሚልዮን ናቕፋ ተኸፊሉ ከምዘሎ። ካብ ነቑጣታት ምሕደራ ማዕከን መልዕሎ ባረንቱን ተሰነይን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት፣

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ። ስድራ-ቤት ስውኣት ኣብ ከባቢኦም ደበስ

ብምኽፋሎም ምስጋንኦም ገሊጾም

ቀጻሊ ምድካይ መሬትን ሳዕቤናት ደርቂን ከምዝርአ ብምግላጽ። ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ምድካይ መሬት፤ ምቕይያር ክሊማ። ምብራስ ኣግራብ። ናይ ሕርሻ ቦታ ብዘይ ዕረፍቲ ምሕራስ። ምቚጥቋጥን ምብራስን ኣግራብ ምዃኖም ሓቢሩ፣ ዝርአ ዘሎ ዘይውሕሉል

ኣጠቓቕማ መሬት። ብፍላይ ኣብ ከበሳን ሓውሲ ከበሳን ንፍርያምነት መሬት ኣዝዩ ኣጒዲልዎ ከምዝርከብ ብምምልካት። መሬት ንምህብታምን ንምሕዳስን ተባሂሉ ዛጊት ዝተወስደ

ኤርትራ። ምድረ-በዳነት ንምምካት ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ተሰላስል

ስጉምቲ ዘተባብዕ’ኳ እንተኾነ። ምስቲ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምድካይ መሬትን ሳዕቤን ደርቅን ኣዝዩ ውሱን ብምዃኑ። ንመጻኢ ብዝለዓለ ኪድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣቶ ሕሩይ ኣዘኻኺሩ፣ሚኒስትሪ ሕርሻ ከም ኣካል

ሃገራዊ ልምዓትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ምስ ካልኦት ትካላት መንግስትን መሻርኽትን ብምትሕብባር። ካብ ጽባሕ ናጽነት ዘሰላስሎም ዘሎ ዓበይቲ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብን።

ህያው ኣብነት ናይቲ ምድካይ መሬትን ብምምካት ብሩህ መጻኢ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 2: Haddas Eritrea - June 17, 2009

2ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ኣገደስቲ ቴለፎናትኣገደስቲ ቴለፎናት

መጥፋእቲ ሓዊ202099202260

ቀይሕ መስቀል122244

ፖሊስ ዞ/ማእከል ፖ/ትራፊክ ዞ/ማእከል)

120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ152817

\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢዮናስ መሓሪ

ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 125394

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስዘቢብ ተወልደራሄል ግርማይሓበን ስብሃቱ

ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብ

ለይ-ኣውት

ውሑስን እኹልን ቀረብ ደም ንምርግጋጽ። ምውሓስ ወለንታዊ ልግሲ ደም ወሳኒ ከምዝኾነ። ብ14 ሰነ ኣብ ዝተዘከረ ዓለማዊ መዓልቲ ለገስቲ ደም ተገሊጹ፣ዳይረክተር ሃገራዊ ባንክ ደም ዶክተር

ይፍደኣምላክ ተስፋማርያም ኣብ ዘስምዖ ቃል፤ “እዛ ዕለት’ዚኣ። ነቶም ብዘይካ ሂወት ሰብ ብምድሓን ዝርከብ መንፈሳዊ ዕግበት። ዝኾነ ይኹን ረብሓ ዘይጽበዩ “ድምጾም ዘይስማዕ ውፉያት” ወለንተኛታት ለገስቲ ደም እነመስግነላ’ያ” ድሕሪ ምባል። ወለንታዊ ልግሲ ደም ኣብ ሃገርና ናብ 80 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ። እዚ ሳላ’ቶም ብስሩዕ ደሞም ዝልግሱ ወለንተኛታት ዝተረጋገጸ ምዃኑ ሓቢሩ፣ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር

ክፍሊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገብረትሳኤ ብወገኑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣገዳስነት ውሑስ ደም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሓፈሻ ኣብ ምድሓን ሂወት ሰብ ድማ ብፍላይ ብምግንዛብ። ከም ኣካል ናይ’ቲ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ንምብጻሕን ንምውሓስን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ። ምርግጋጽ ውሕስነት ቀረብ ደም ካብ ቀዳምነታቱ ገይሩ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ፣

ወኪል ለገስቲ ደም ብግደኡ፤ ብወለንታኦም ብዝልግስዎ ደም ሂወት ጽጉማት ዜጋታት ብምድሓኖም ባህታ ከምዝስምዖም ብምምልካት። ካልኦት’ውን ነዚ ቅዱስ ተግባር ክስዕብዎ ኣተሓሳሲቡ፣ ኣብ’ቲ ዕለት ንኣገዳስነት ወለንታዊ

ልግሲ ደም ኣብ ሂወት ደቂ ሰብ ዘብርህ ዝተፈላለየ መደባት ክቐርብ

እኹል ቀረብ ደም ንምርግጋጽ። ምውሓስ ወለንታዊ ልግሲ ደም ከምዘድሊ ተገሊጹ

እንከሎ። ብኣባላት ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ዝተቐርጸት መዝሙር ብመልክዕ ህያብ ንሃገራዊ ባንክ ደም ተረኪባ፣ ብደረጃ ዓለም ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን

ካብ ዘጋጥም ሞት ኣዴታት። እቲ 25 ሚእታዊት ብሰንኪ መድመይቲ ዝስዕብ ምዃኑ። ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክቱ፣

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ዘይጸንሐን ዓድታት ኣብያተ-ትምህርቲ ንምኽፋትን ጻዕቂ ተማሃሮ ኣብ ዘለወን ኣብያተ-ትምህርቲ ምቹእ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ሃዋሁ ንምፍጣርን። ብኣስታት 40 ሚልዮን ናቕፋ 18 ኣብያተ-ትምህርቲ ክህነጻ ጀሚረን ከምዘለዋ። ሓላፊ ኣገልግሎት ምህንድስናን ምምሕዳር ፕሮጀክታትን ናይቲ ዞባ ኢንጂነር ኻልድ ሳልሕ ሓቢሩ፣ንሱ ኣብ ሓበሬትኡ። እተን ኣብ

መስርሕ ህንጸት ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ። ብዘይካ መምሃሪ ክፍልታት። ቤት-ንባብ። ገንኢ ማይ። ንስንኩላን ዝጥዕም ዓይኒ-ምድሪን ካልእን ከምዘጠቓልላ ብምግላጽ። እተን 15 ናይ መባእታ ኮይነን። ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንኡሳን ዞባታት ማይምነ። ዓዲ-ቐይሕ። ዓረዛ። ሰገነይቲ። እምኒ-ሓይሊ። ጸሮና። መንደፈራን ሰንዓፈን ከምዝህነጻ። እተን ሰለስተ ናይ ማእከላይ ደረጃ ድማ ኣብ ደቀምሓረ። ዓረዛን ጸሮናን ከምዝኾና ኣብሪሁ፣እተን ዝህነጻ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ

በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃ ንምግምጋምን ተሳትፎ ህዝቢ ንምዕዛዝን ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ። ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጣፋ ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዖ ቃል። እተን

ኣብያተ-ትምህርቲ ክህነጻ ውጥን ክወጽእ እንከሎ ኣበርክቶ ህዝቢ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ ብምትእምማን ከምዝኾነ ብምምልካት። ህዝቢ ኣብ ጉልበታዊ ሓገዝን ምዕቃብን ምክንኻንን ንብረትን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ፣ተቐማጣይ ኣምበሰተገለባ ኣቶ

ገብረድንግል ሰለሙን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ። “መንግስቲ ደቅና ካብ ድንቁርና ንምድሓን ኣብያተ-ትምህርቲ ምህናጹ ምስጋናና ደረት የብሉን” ድሕሪ ምባል። ብወገኖም ኩሉ ዝድለ ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጹ፣ እዘን ንኣስታት 14 ሽሕ ዜጋታት

ዕድል ትምህርቲ ክኸፍታ ትጽቢት ዝግበረለን ኣብያተ ትምህርቲ። ኣብ ዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ኣገልግሎት ክጅምራ ዝካየድ ውሁድ ስራሕ ክቀላጠፍ። ኣብ’ቲ ኣኼባ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ፣ ሓላፊ ክፍሊ ትሕተ- ቅርጺ ዞባ ደቡብ

ኣቶ ረዘነ ፍስሃ ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ መደረ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምቅልጣፍ ህንጻ’ተን ኣብያተ-ትምህርቲ ዝነኣድ ምዃኑ ብምግላጽ። ኣብ ምምሃርን ምክትታልን ደቁ ድማ ተመሳሳሊ ትግሃት ከርኢ ኣዘኻኺሩ፣

ዞባ ደቡብ - ብኣስታት 40 ሚልዮን ናቕፋ 18 ኣብያተ-ትምህርቲ ይህነጻ

ንምውሓስ ዝካየድ ስራሓትን ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም። ኣብ

ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ልዕሊ 252 ዲጋታት። ልዕሊ 350 ራህያታትን ልዕሊ 7 ሽሕ ዒላታትን

ኤርትራ። ምድረ-በዳነት ንምምካት ዓበይቲ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ከምእተሃንጸ። ኣስታት 32 ሽሕ ሄክታር መሬት ከምእተዛለየ። ልዕሊ 200 ሽሕ ሄክታር ከምእተሓዝአ። ከምኡ’ውን ልዕሊ 80 ሚልዮን ኣግራብ ከምእተተኽለ ብምምልካት። ሃልኪ ዕንጸይቲ ንምንካይ ዝሕግዝ ዝተመሓየሸ ልዕሊ 80 ሽሕ እቶናት ከምእተዘርግሐ ኣብሪሁ፣ብሰንኪ ምድካይ መሬትን

ክሊማዊ ለውጥን። ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ 17 ክሳብ 24 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ መበቈል ቦታኡ ከምእተሰደደ ክፍለጥ እንከሎ። እቲ ኩነታት ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ። ክሳብ 2050 ዓመተ-ምህረት እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 200 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል መጽናዕትታት የጠንቅቑ፣

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት። መንግስቲ ብመልክዕ ደበስ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ድማ ብመልክዕ ሓገዝ ንዝግበሩሎም ዘለዉ ምድግጋፍ ምስጋንኦም ገሊጾም፣

ካብ ተቐማጦ ዓዲ ገረድ ወ/ሮ ዮርዳኖስ ተስፋጽዮን ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። “ሕድሪ ስውኣት ዘኽብር ህዝብን መንግስትን

ስለዘለዉና። ዝጐደለና የለን” ድሕሪ ምባል። ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዛት ኣብ መነባብሮኦም እወታዊ ተራ ከምዘለዎ ኣረዲኣ፣

ነባሪ ቶራት - ኣቦ ሰለስተ ስውኣት ቀሺ ገብረሚካኤል ሰጊድ ብወገኖም። ንዝግበረሎም ዘሎ ናብዮትን ደገፍን ብምምስጋን። እዚ ክቡር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ምድግጋፍ ናብ ወለዶታት ክሰጋገር ኣዘኻኺሮም፣

ኣብ ድባርዋ እትቕመጥ ወ/ሮ ህድኣት ዘካርያስ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ድማ። መንግስቲ ህዝቢ ንኽርህዎ ዝሃንጾ ዘሎ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት መሰረት ራህዋን ምዕባለን ምዃኑ ብምግላጽ። ንሳ’ውን ካብኣ ንዝጽገሙ ስድራ ስውኣት ብዓቕማ ክትሕግዝ ድልውቲ ምዃና ኣብሪሃ፣

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከቡ ስድራ ስውኣት። ኣብ መነባብሮኦም ለውጢ የርእዩ

ሃ.ማ.ደ.ኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ። ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቀንስትዮ ንምምሕያሽን ንምጉልባትን ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ። ብርክት ዝበላ ደቂኣንስትዮ ኣብ መነባብሮአን ኪሕግዘን ዝኽእል ሞያ ከምዝቐሰማን ናይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝረኸባን። ሓላፊት’ቲ ማሕበር ወ/ሮ ኣለም በላይ ገሊጻ፣

ወ/ሮ ኣለም ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ብመሰረት ዕላማ’ቲ ማሕበር። ደቂኣንስትዮ ሞያ ኣጥርየን መነባብሮአን ንኽመርሓ ብዝተሳለጠ ስራሓት። ብዙሓት ናይ ኢደ-ጥበብ። ስርሓት ዕንቊ። ስፌት ሲንጀር። ማእለማን ኮምፕዩተርን ስልጠናታት ከምዝቐሰማ። ንልዕሊ 1400 ጽጉማት ኣዴታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ዝሕግዘን ዓይነታዊ ደገፍ ከምእተገብረለን ሓቢራ፣

ብዘይካ’ዚ። ተማሃሮ ደቂኣንስትዮ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገም ትምህርተን ንኸየቋርጻ። እቲ ማሕበር ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከረን። ዒላበርዕድ። ዓዲ-ተከሌዛን። ገለብ። ሓልሓል። ኣስማጥን ሓጋዝን ንዝርከባ ልዕሊ 1300 ጽጉማት ሓገዝ ክፍሊትን ድቪዛን ከምዝገበረ ድማ ኣረዲኡ፣

እቲ ጨንፈር። ደቂኣንስትዮ ኣብ ምውዳብ። ኣፍልጦአን ኣብ ሕጊ ንምዕባይን ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእን ሓያል ስርሓት ከምዘሰላሰለ ዝሓበረት ወ/ሮ ኣለም። ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕማማት። ደቂኣንስትዮ ልዑል ተሳትፎ ከምዘለወን ኣብሪሃ፣

ኣብ ሓውሲ-ከተማ ኤደን ኣብ ስርሓት ላኻ ትነጥፍ ዘላ ወ/ሮ ዛይድ ቀለታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ሳላ በቲ ማሕበር ዝተገብረላ ደገፍ መነባብሮኣ ከምዘመሓየሸት ጠቒሳ። መነባብሮ ደቂኣንስትዮ ንምምሕያሽ ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣመስጊና፣

ሃማደኤ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር። ኣብ 10 ንኡሳን ዞባታት ዓንሰባ ብዛዕባ ምውጋድ ጎዳእቲ ልምድታት። ሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ-ዕድመ። ድሕነት ኣደን ህጻንን። ምጥፋእ መሃይምነት። ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ካልእን ብዘካየዶ ሰፊሕ ኣስተምህሮታትን ጎስጓሳትን። ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሓጋዝ። ሃበሮን ኣስማጥን ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተመዝገበ። ካብ ቤት-ጽሕፈት’ቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር፣

ሃ.ማ.ደ.ኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ። ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቀንስትዮ

ንምምሕያሽ ይጽዕር

Page 3: Haddas Eritrea - June 17, 2009

3ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ሂወት ብዓቐበ ቁልቁል እናሓንሳእ ድማ ብሜዳ ዝስነ ጉዕዞ ክንሓልፍ እትቕስበና መኣዲ እያ፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ። ነቲ ዓቐብ ክንወጽእ ንኣእጋርና ኣእዳውና ሓዊስና ነቲ ጸዳፍ ናብ ምሕኳር ነቕንዐን፣ ንሱ’ቲ ዓቐብ ንዓና ንኸትርፍ። ንሕና ኸኣ ንትሩ በዲህና ንኽንወጽእ ብልዑል ኒሕ ንቃለስ፣ ሻቡ ዝረትዐ ይዕወት፣ ረቲዑ ተባሂልና ኸኣ ሰባት ብሓጎስ የጣቕዑልና፣ እንተተረቲዕና ድማ እቶም ደለይቲ ጽቡቕና ዳግም ንኽንትንስእ ይእርሙና፣ ደለይቲ ክፉእና ግን ብምውዳቕና ይስሕቁ ጥራሕ፣ ስለዚ። ኣብቲ ናይ ሂወት ጥምጥም ክንረትዕ ወይ ክንርታዕ ንኽእል ኢና፣ ሂወት ግን ብሓደ ግጥምን

ሓደ ስዕረትን እትምዘን መኣዲ ኣይኮነትን፣ ነቲ ዓቐብ ወጺእና ዓወት ዓወት ኢልና ድሕሪ ምጭራሕና እውን ካልእ ግጥም ክጽበየና ይኽእል’ዩ፣ ግጥም ቁልቁል፣ ምስ ጥንቃቐ ዝሓትት ቁልቁል ምግጣም ‘ውን ካብቲ ምስ ዓቐብ እንገብሮ ግጥም ዝሰንፍ ኣይኮነን፣ ምኽኒያቱ። ነቲ ግጥም ብምሉእ ልብኻን ቀልብኻን እንተድኣ ዘይገጢምካዮ ዝረገጽካያ እምኒ ተጀንጊራ ኣበየናይ ህጉም ከምእተእትወካ ምፍላጥ ይሓትት’ዩ፣ ኣብ ጉልጎል እውን ግጥም

ኣሎ፣ ብዙሓት ንዓቐበ ቁልቁል ምውጻእን ኣብ ጎልጎል ምጕዓዝን ክመዛዘን ዘይግብኦ ፍልልይ ዘለዎ ገይሮም ኪገልጹዎ ይስምዑ እዮም፣ እቲ ምንታይሲ። ኣብ ጎልጎል ብዙሕ ዕንቅፍቲ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዖምን እዩ፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ንጉዕዞ ጎልጎል ተዛንዮም ክኸዱዎ ዝኽእሉ ይመስሎም፣ ጉዕዞ ጎልጎል ግን እቲ ዝኸፍአ

ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ኣብ ጉዕዞ ዓቐበ-ቁልቁል ዝተዓወቱ ሰባት ኣብ ጉዕዞ ጎልጎል ኪወድቁ ዘይተራእዩ ኣይኮኑን፣ ምኽኒያቱ። ኣብ ጉዕዞ ጎልጎል ዘሎ ማዓር እቲ ዝገዘፈ ዕረ’ዩ፣ ዕረነቱ ምስ ወሓጥካዮ ድኣ’ምበር ገና ቅድመ ኩነት ክተለልዮ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ማዓር መሲሉካ ዕረ ንኽትልሕስ ካብ ኣብ ጉዕዞ ዓቐበ-ቁልቁል ኣብ ጉዕዞ ጎልጎል ይዓቢ፣ እቲ ምኽኒያት ንጹር’ዩ፣ ኣብ

ጉዕዞ ዓቐበ-ቁልቁል ገለ ክፋል ናይ ኣድህቦኻ ናብ ጥንቃቐ ዕንቅፍቲ ተቕንዖ ኢኻ፣ ኣብ ጉዕዞ ጎልጎል ግዳ ኣመና ልሙጽ ኮይኑ ስለዝረኣየካስ ንጥንቃቐ ኢልካ እትስልዖ ሚእታዊት ኣመና ይውሕድ’ሞ እቲ ጉድኣት ከኣ ኣመና ዓቢ ኮይኑ ይመጽኣካ፣ ኣብ ጉዕዞ ዓቐበ-ቁልቁል

ይኹን ኣብ ጉዕዞ ጎልጎል ግን ኩሉ ግዜ ጉድለት ኣሎ፣ ምኽኒያቱ። ጉዕዞ ሂወት ተመኩሮ’ዩ፣ ኣብ ምውህላል ተመኩሮ ኸኣ ጌጋታት ኣለዉ፣ ክንዲ ዝኾነ ድማ። ነቶም ዝተራእዩ ጌጋታት ኣብ እዋኖም እናኣረምናዮም እንተድኣ ከይድና እቲ ሂወት ዝሓሸን ዝበለጸን ክኸውን ይኽእል፣ እንተድኣ ጉድለታትና ዓባቢጥና ኣይትንቀፉኒ እናበልና ክንነብር እንደሊ ሃሊና ግና እቲ ሂወት መለሳ ኣይንረኽበሉን ወይ ከኣ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ገጹ ይወስደና፣ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንድሕሪት

ተመሊሱ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ዝፈጸሞም ጉድለታት ክዝክሮም እንተዝኽእል ክንደይ ክበጽሕ ከምዝኽእል ንምግማቱ የሸግር’ዩ፣ እቲ ምንታይሲ። ነፍሲ-ወከፍ

ተመኩሮ ብናታ ጌጋ እያ እትሓልፍ፣ ትፍትና’ሞ ትጋገ፣ ነቲ ጌጋታት ኣሪምካ ዳግም ትፍትና፣ ትትግበር ግን ከኣ ሕጂ ’ውን ገለ-ገለ ጌጋታት ክርከባ ይኽእል ይኸውን፣ ምስ ምድግጋምን ምእራምን ግን ኣብ መወዳእታኡስ ብሉጽ ውጽኢት ትረክብ፣ ሓደ ሰብ ግን ሓንቲ ተመኩሮ

ጥራሕ ዘሕልፍ ኣይኮነን፣ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ዝምኮሮ ተመኩሮታት እምበረ-መጠን ብዙሕ እዩ፣ ነቲ ብዙሕ ተመኩሮ ንምሕላፍ ከኣ ብዙሕ ጌጋታት ይሰርሕ፣ እንተ’ቲ ምእራም ግን ምስ

ብዙሕ ነገር’ዩ ዝተሓሓዝ፣ ዘለኻዮ ማሕበራዊ ኣከባቢ’ኳ ንባዕሉ ከም ረቋሒ ክጥቀስ ይኽእል እዩ፣ እቲ ምንታይሲ። ኣብ ጉድለት ርእዩ ዝእርም ማሕበራዊ ኣከባቢ ትነብር እንተድኣ ሃሊኻ ድግምጋማት ጉድለታትካ ክውሕዱ ይኽእሉ፣ ኣብ ‘’እንታይ ገደሰኒ’’ ዝብል ማሕበራዊ ኣከባቢ እንተድኣ ትነብር ሃሊኻ ድማ። ንጉድለታትካ መመሊስካ ክትደጋግሞም ትነብር፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ንሓንቲ ብዉሑድ ጌጋ ክትሰግራ ዝነበረካ ተመኩሮ ብኣመና ብዙሕ ጉድለታት ትፍጽማ፣ ሕብረተሰብና ብባህሪኡ ዓገብ

ብሃላይ’ዩ፣ ጉድለት እናረኣኻ ዕሽሽ ምባል ዘፍቅድ ሕብረተ-ሰብ ኣይኮነን፣ ባይቶ ዓዲ ከም ሓደ ካብ መኣድታት ምእራም ጉድለት ክውሰድ ይከኣል’ዩ፣ ባይቶታትና ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተመስረቱ ዓበይቲ ሰረታት ጽባቐ ባህልን ምሕደራን እዮም፣ ኣብቲ ዓዲ ዘጋጠሙ ጸገማት ኣብ ባይቶ ኣውሪድካ ክትዝትየሎም ዘኽእል ምዕቡል ኣገባብ ምእራምን ምውዳብን ከኣ ነይሩ፣ ኣብቲ ባይቶ ዝተሰማዓካ ክትዛረብ ዝቕይድ የብልካን፣ ንጉድለታት ክትእርም ምሉእ መሰል ኣለካ፣ ብኣንጻሩ ኸኣ ንኽተጸልም እትረኽቦ መሰል የብልካን፣ ብሳላ’ዚን ካልኦት መኣድታትን ኣቢልካ ድማ ምስ ሕማምካ ኣይትሓድርን፣ እዚ ኩነት’ዚ ኣብ እዋን ገድሊ

ዝያዳ ጐሊሑ፣ ብፍላይ ድሕሪ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ነቐፌታ ከም ፍቱን መድሃኒት ክውሰድ ጀሚሩ፣ ነፍሲ-ወከፍ ኣሃዱ ካብ መዋዕሎኣ ናብ ድፋዓ ቅድሚ ምእታዋ ንዕለታዊ ኩነታታ ገምጊማ ትነቅል፣ ኣብ ኣኼባታት። ጉዳይ ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይስራዕ፣ ሰባት ናብ ትሕዝቶ’ቲ ኣኼባ ቅድሚ ምእታዎን ብመገዲ ነብሰ-ነቐፌታን ነቐፌታን ገይሮም ነብሶም ከንጽሁ ከምዘለዎም ይግበር፣ ንዘይነጽሀት ነብሱ ባዕሉ ንዘየንጽሀ ሰብ ድማ ብጾቱ ከንጽሁዎ ከምዘለዎም ይኸውን፣ ብሳላ’ዚ ድማ ኩሉ ሰብ ይነጽህ፣ ምስ ቂማ ትሓድር ነፍሲ ኸኣ ኣይትህሉን፣ ስለዚ። ኤርትራ ንድሕሪት

ተመሊስና እንተረኣናያ ኣብ ኣፋትል ባህላን ምሕደራኣን ጉድለት ናይ ምእራም ሰረት ዝጸንሓ ሃገር ምዃና እዩ ዘርእየና፣ ቀጺሉ ኸኣ። ነቲ ዝነበራ ባህሊ ምትእርራም መሊሱ ዝድርዕን ከም ሓደ ካብ ረቛሒታት ዓወት ክቝጸር ዝኽእልን ናይ ምንቕቓፍ ባህሊ ዘለዎ ገድሊ መጺኡ፣

ሕጂኸ? ሓቂ ንምዝራብ ሕጅስ

ኣይግድን፣ እቲ መትከል ዘይተቐየረ ክንሱ እንተ’ቲ ባህሊ ግን ከምቀደሙ የሎን፣ እቲ ምንታይሲ። ሎሚ ክንቀፍ ዝደሊ ሰብ ዘሎ ኣይመስለካን፣ እንተሃልዩ ድማ ኣመና ውሑድ እዩ ክኸውን ዝኽእል፣ እቲ ምኽኒያት። እታ ነቐፌታ ካብ ንምእራሙ ናብ ምድኻም ቦታ ስልጣኑ ወይ ሞያኡ እተድምዕ መሲላ እያ እትረኣዮ፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ንነቐፌታ ናብ ጥቓኡ ንኸይትቐርብ ብዘለዎ ዓቕሚ ይከላኸል፣ ‘’ኢሂ’ታ ነብሲ። ነቐፌታን

ነብሰ ነቐፌታንሲ ትገብሩ’ዶ?’’ ንሓደ ቀደም ምሳይ ዝነበረ ሰብ ዝሓተትኩዎ ሕቶ እያ፣ ‘’ወሪዱና። መስጣ ኣብ መዓልቲ

ሓንሳእ። ኣብ ዓመት ሓንሳእ እኳ ዘየለዋ፣ ነቐፈታን ነብሰ-ነቐፌታንሲ ኣብ ዓሚቝ ጉድጓድ ተቐቢረን እየን፣ ድሓን እቶ ደኣ... ከመይ ኣቢልካኸ ዘከርካየን’’ ተገልቢጡ ንዓይ ሓተተኒ፣ ሓቁ’ዩ፣ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ

ኣሰረን ከይጠፍእ ትፈርሓለን ኢኻ፣ ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ዝተጻወትኦ ተራ ሎሚ ናብ ድሕሪት ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ኣመና ዓቢ ምንባሩ ክትዝክር ትኽእል ትኸውን፣ ሎሚ ብቐሊሉ ክትረኽበን ግን ዝከኣል ኣይኮነን፣ ሎሚን ትማሊን ግን ኣብ

ምንታየን እየን ዝፈላለያ ዘለዋ? እቲ ፍልልየን ኣብ ህላወ

ምትእርራም እዩ፣ እንተ እቲ ጉድለት ትማሊ ነይሩ ሎሚ እውን ኣሎ፣ ዝነብር ከኣ’ዩ፣ እንተ እቲ ነቐፌታ ግን ትማሊ ነይሩ ሎሚ ግን የለን፣ ብዘይ ምህላዉ ኸኣ ብቐሊሉ ክፍወሱ ዝግብኦም ጉድለታት መመሊሶም ክሕርምዙ ንርእዮም ኣሎና፣ ሓቂ’ዩ ዝኾነ ዓይነት

ጉድለት። ኣብ ዝኾነ ውልቃዊ ኮነ መንግስታዊ ትካልን ውልቀ ሰባትን ክረአ ንቡር’ዩ፣ እንተኾነ ግን። እቶም ነቲ ጉድለታት ዝረኣዩ ሰባት ኣብየት ምስ ዝብሉን ምስ ዝነቕፉን ጥራሕ’ዩ ኪፍታሕ ዝኽእል፣ ብርግጽ። ገለ-ገለ ሰባት

ንምእራም ተጐዝጒዞም ኣፎም ኣብሊሖም ዝድላዮም ኪምድሩን ንሰባት ንምድሃል ኪህንደዱን ዘይረኣዩ ኣይኮኑን፣ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት። ካብ ንብሉጽ ስራሕ ርእዮም ኪዛረቡ። ጉድለት ርእዮም ምስናይ ኣጋንኖኡ ኪምድሩ’ዩ ዝብርሆም፣ እዚ ግና ግቡእ ኣይኮነን፣ ካልኦት ሰባት እውን ብዘይካ’ቲ

ዝሰርሑዎ ጽቡቕ ስራሕ። እቲ ዝፈጸሙዎ ጉድለታት ክለዓል እንከሎ ርእሶም’ዩ ዘንጨራርዎም፣ ክንዲ ዝኾነ ከኣ። ነቲ ዝነቅፍ ሰብ ብኽፉእ ዓይኖም ኪቕበሉዎ ይረኣዩ፣ ስለ’ዚ። ኣብ ኣወሃህባ ትርጉም መኣረምታን ወደሳን ግጉይ ኣረዳድኣ ኣለዎም ንምባል ይከኣል፣ ንነቐፌታ ከም ጎዳኢ። ንወደሳ ድማ ከም መማዕበሊ ገይሮም ይርድኡዎ ኣለዉ ማለት’ዮም፣ እዚ ግን ምንቃፍ ዘድሊዮ ግጉይ ርድኢት’ዩ፣ ምኽኒያቱ። መኣረምታን

ወደሳን ኣንጻር ዝመስል መልክዕ እኳ እንተሃለወን። ባህሪያተን ግን ናብ ሓደ ኣንፈት’ዩ ዝቐንዕ፣

ሰባት ብጽቡቕ ስርሖም እንተዳኣ ተወዲሶም ንመጻኢ ብዝበለጸ ንኽሰርሑ ብፍናን ይብገሱ፣ እንተዳኣ ተነቒፎም ከኣ። ንዝሰርሑዎ ጉድለት ተረዲኦም ንቐጻሊ ድኻማቶም ኣሪሞም ልዑል ውጽኢት ንምምዝጋብ ናብ ጎደና ምዕባለ ይብገሱ፣ ስለ’ዚ። ሰባት ብዝተርጐሙ እንተተርጐሙወን። ሓድነተን ዘረጋገጻ ካብ ምዃን ዝዓግተን ዋላ ሓዳ’ኳ የልቦን፣ ናይ ክልቲኤን ቀስቲ ናብ ጎደና ምዕባለ ገጹ ዝጥምት ስለዝኾነ፣ ግደ ነቓፍን ተነቃፍንከ ከመይ

ክኸውን ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል’ዩ፣ ኣብ’ዚ እውን ተመሳሳልነት’ዩ ዘሎ፣ ነቓፊ ናይ ምንቃፍ መሰሉ ዝተሓለወ’ዩ፣ ብማዕረኡ ድማ ተነቃፊ መልሲ ንኽህብ መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን፣ ነቓፊ ካብ ሓቂ ሪሒቑ ዝድላዩ ንኽዛረብን ሰባት ከጸልምን መሰል ኣይህልዎን፣ እንተዳኣ ጢሒሱዎ ከኣ ብግቡእ ይኽሰስ፣ ተነቃፊ እውን ብዛዕባ’ቲ ዝሕተተሉ ዘሎ ሕቶ ሓቂ ንምምላስ መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን፣ ብኣንጻሩ ድማ። “መልሲ ብምኽላእ ንሰባት ተኸኽ ከብሎም እኽእል’የ” ካብ ዝብል ግጉይ ርድኢት ሰባት ንኸከላብት ዝወሃቦ መሰል የብሉን፣ ስለ’ዚ። ነቓፊ “ብዝሓዝኩዎ

ኩርማጅ ተጠቒመ ንሰባት ኪገርፍ’የ” ኢሉ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ “እቶም ሰባት ብርግጽ’ዶ በዲሎም’ዮም (ተጋግዮም’ዮም)? ኣብ ክንዲ ምግራፎምከ ብዝለስለሰ መልክዑ ጌርካ’ዶ በደሎም ከምዝስወጦም ምግባር ኣይምሓሸን?” ንዝብሉ ሕቶታት ኣማእዝዩ ክምልሶም ይምረጽ፣ ምኽኒያቱስ። እቲ ንስለ ነቐፌታ ዝለኣኾ ቃላት ተመሊሱ መንበስበስታኡ ዝጥርስሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ እቲ ሽግር ግን። ምስ ምሉእ

ጭብጥኻ እናሃለኻ። ናይ ምእራም ተበግሶ ንኸይትወስድ ዝለዓሉ ዓንቀጽቲ ቃላት ምህላዎም’ዩ -”እንታይ ገደሰካ!” ገለ-ገለ ሰባት ሕማቕ ሪኢኻ

ዓገብ ንኽትብሎም እንተድኣ ፈቲንካ።- “እንታይ ገደሰካ!?” ትብል

ዘረባ ትውርወረካ፣ እታ ዘረባ። ካብ’ቲ ነቲ ጉዳይ

ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሰብ ወይ ከኣ። ካብ ሓለይትኻ ኮይኖም ዝቐርቡ ሰባት ክትነቅል ትኽእል’ያ፣ እንተዳኣ ኣፍ ኣውጺእካ ተዛሪብካ ድማ። ወዮ ዓገበይና ሰብ “ንዓኻኸ እንታይ ገደሰካ!?” ክብለካ ይኽእል’ዩ፣ ‘እንታይ ገደሰካ’ ግን እንታይ

ማለት’ዩ? ምናልባት “ኣዒንትኻስ እወ

ሕማቕ ርእየን ኪኾና ይኽእላ’የን፣ ኣእዛንካ ‘ውን ሕማቕ ሰሚዐን ክኾና ይኽእላ’የን፣ እንተኾነ ግን። እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዘይምልከተካ ካብ ኮነስ ንምንታይ ስለ ካልኦት ኢልካ ትዛረብ?” ንምባል ዘመልክት ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ግን

ክንስጕም ንኽእል’ዶ? ሰባት ብኸምኦም ሰባት እናነብዑ ትም ኢልካ ምርኣይከ የምሕረልና’ዶ? ብርግጽ። ኣብቲ “ናዓይ ዳኣ

ኣይኽፋኣኒ ‘ምበር ናይ ካልኦትሲ ኣይግድሰንን’ዩ” ዝበሃለሉ ዓለም ንቡር ኣሰራርሓ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፣ ኣባና ኣብ’ዞም

ብኽንደይ መከራ ዝሓለፍናን ተሓቛቚፍና እንነብርን ህዝቢ ክረአ ግን እትጽበዮ ኣይኮነን፣ እቲ ምንታይሲ። ንኽንዕወት ሓደ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ቃልሲ’ኮ ምትእርራምና’ዩ ነይሩ፣ ምእራም ስለ ምእራም ዘይኮነስ ስለ ንጽህና፣ ናይ ቃልሲ ሰባት ንዝበደለት ነብሲ ብጻዮም ጥራይ ዘይኮነስ ነዛ ንነብሶም እውን የናሕስዩላ ኣይነበሩን፣ ኣብ ቅድሚ ብጾቶም ወጺኦም “ስለዝኣበስኩ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም’ዚ ዝበለ በደል ከይሰርሕ ቃል ይኹነኒ” ብምባል ንገዛእ ነብሶም የቃልዑ ነይሮም፣ ሎሚ ግን ምእራም ክትጽላእ

ንርእያ ኣሎና፣ ሓደ ደንጕዩ ናብ ክፍሊ ዝኣቱ መምህር። ኣብ ክንዲ ምስ ሕሙማቱ ኣብ ቤቱ ዝሓድር ሓኪም። ሰባት ብቘጸራ ዘከላበተ ኣመሓዳሪ። ብሰበብ ብላዕ ቄናን ፍርዲ ዝሃበ ዳኛ። ኮታ ኩሉ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝተዋፈረ ሰብ መን’ዩ ደንጒኻ ወይ ከኣ ጎቢጥካ ክብሎ? እቲ ምንታይሲ እቲ ጽፉፍ ናይ ምእራም ባህሊ እናተባሕጐጐ ምስ ምኻዱ። እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ በትሪ እውን እናረጐደ ስለዝኸይድ፣ እቲ ዝኸፍአ ግን “እንታይ

ገደሰካ!” ክትበሃል ከለኻ’ዩ፣ እቶም ክትእርም ዝሰምዑኻ ሰባት ከይተረፉ “እንታይ ገደሰካ ኣብ ዘይመዓትካ ትኣቱ” ብምባል ሓሞትካ ከፍስሱልካ ይደልዩ፣ እቶም ዝነቐፍካዮም እውን ‘’እንታይ ገደሰካ!’’ ይብሉኻ፣ ኩሉ ሰብ ዘይግድሰካ ምዃኑ ይነግረካ፣ ገሊኡ ነቲ ብሰሪ ምንቃፍካ ዝወርደካ ግብረ መልሲ ፈሪሑ። ገሊኡ ድማ ንነብሱ ካብ ተነቃፍነት ሓራ ንምግባራ፣ በቃ። ኣብ’ቲ ዝግድሰካስ “እንታይ ገደሰካ” ዝብል ሰብ ይበዝሓካ፣ ምግዳስ ደኣ’ሞ... እንታይ

ኮይኑ’ዩ ዘይግድሰካ። ይግድሰካ ‘ምበር፣ ሰባት ግቡእ ኣሰራርሓ ሓዲጎም ብቔናን መስመር ኪጓዓዙ ሪኢኻ ኣይፋልኩምን ምባል ነውሪ መዓስ ኮይኑ፣ ሎሚ ብጸገም ካልኦት እንተዘይተቖንዝየ’ሞ ጽባሕ ብጸገመይ ዝቕንዘወለይ መን’ዩ? ዝብል ሓሳብ ይመጻካ፣ ሽዑ። እዛ እንታይ ገደሰካስ። “ኣይትቃወም ብዘለኻዮ ልመስ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለት ምዃና ይስወጠካ፣ ጌጋ እናረኣኻ ጥርቅም ምባል

ግን ዓዲ’ዶ የጋብር’ዩ? ነብሲ-ወከፍ ትካል ጌጋኣ ከይትንከፍ። እንተተንከፈ ከኣ ሑሕ ክትብል ትደሊ እንተዳኣ ኮይናኸ እቲ ጉድለት ክእረም’ዶ ይኽእል? ሰባት (ሰራሕተኛታት) ኣብ ቦታ ሓላፍነት ናይ ትካላት ተመዲቦም ምስርሖም’ከ ንውልቃዊ ረብሓኦም’ዶ ዋላስ ንህዝቢ ዘርብሕ ኪኸውን ኣለዎ? መልሱስ ርዱእ’ዩ፣ ግን ከኣ

ሰባት ይፈተዎም ኣይፈተዎም ብዘየገድስ ንጉድለታቶም ተቢዕካ ምእራም ኣገዳሲ’ዩ፣ ክንዲ ዝኾነ። ንሶም ንስለ ረብሓኦም ክብሉ ካብ መኣረምታ ክሃድሙ ምጽዓሮም ዝተርፍ ኣይኮነን፣ ኣረምቲ ከኣ ንስለ ጽፉፍ ስራሕ ክብሉ ደድሕሪኦም እናሰዓቡ ትንፋስ ክህቡዎም የብሎምን፣ በዚ ከኣ’ያ እታ “እንታይ ገደሰካ!” እትብል ሰራም ናይ ልምሰት ሓድጊ ተሳዒራ ምዕባለ ዝረጋገጽ፣

ኣብርሃም ዮውሃንስ (እብር)

ይግድሰካ ‘ምበር

Page 4: Haddas Eritrea - June 17, 2009

4ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

“ሽም ቀይራ”

ወ/ሮ ግደይ - 1966 ወ/ሮ ግደይ - 2009

ምሉእ ለይቲ ክጽበዮ ሓዲረ፣ ደርጓዕ ዚብል ድምጺ እንተሰሚዐ። ብር ክብል መሬት ወጊሓ፣ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ስለ ዘይሓድር። ከም ዝተታሕዘ ንምግማት ኣይተሸገርኩን፣ ሓበሬታ ዝሃበኒ ሰብ ግን ኣይተረኽበን፣ ምሉእ ረፍዲ ደሃይ ዘምጽኣለይ ክጸበ ውዒለ፣ ንመን ከም ዝሓትት ሓርቢቱኒ፣ “ሕጂ ኸ ንበረኻ ዶ ወጺኡ ይኸውን? ወይ ምስቶም በብሓደ ዝተለቕሙ ኢዩ ተሓቢሱ?” ኣብ መንጐ እዘን ሕቶታት ተቐርቂረ፣ ልበይ ክረግኣለይ ኣይከኣለን፣

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ምጥፋኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሰሚዐ፣ ፖሊስን ነጨለባሽን ኣብ ሹቕ ከም ዝሓዙዎ እምበር ጽጹይ ሓበሬታ ኣይነበረን፣ ናበይ ክኸውን ይኽእል? ንመን ክሓቶ? ንመቕርቡ ዝኾኑ ኣዕሩኽቱ ሓቲተ። ምትሓዙ ድኣ እምበር። ናበይ ከም ዘበለዎ ዝፈልጥ ኣይረኸብኩን፣ እቶም ቅድሚኡ ዝተታሕዙ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢዮም ተወሲዶም፣ ሃብተ ኣበይ ከም ዝኣተወ ንልዕሊ ክልተ ቕነ ኣይፈለጥኩን፣ ሕማቕ ስለ ዘልመዶም ደቀይ

ኣሸጊሮሙኒ፣ ምሸት ንሱ ከይመጽአ ኣይድቅሱን ኢዮም፣ ትኻስ ስዒርዎም ደቂሶም እንተጸኒሖሞ’ውን የበራብሮም ስለ ዝነበረ። ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ኣሸጊሮሙኒ፣ ባዕዚዞሙኒ፣ ድቃስ ክኣብዮም ምጅማሩ ንዓይ ኣጨኒቑኒ፣ ፍቕሪ ኣቦ ዝለመዱ ቈልዑ ደሃይ ኣቦኦም ስኢኖም። ነቲ ልምዲ ቀልጢፎም ክገድፉዎ ኣይእክሉን ኢዮም፣ ኣብ ዓራት ወዲቖም። ልቸ ክትጠፍኣሎም ኣይደልዩን፣ በብቚሩብን ብሓይሊን እየ ኣብ ሰዓቶም ከደቅሶም ክኢለ፣ ምሸት ቀልጢፎም ብዘይምድቃሶም። ንግሆ ቀልጢፎም ይበራበሩ ኣይነበሩን፣ ብኽንደይ ሓይሊ ባዕዚዞም ከለዉ ኢዮም ንትምህርቲ ዝብገሱ፣ ካርሸሊ ከም ዝነበረ ብሓደ ካብቲ

ቤት ማእሰርቲ ዝተለቀ ሰብ ሓበሬታ በጺሑኒ።። ሃለዋቱ ፈሊጠ፣ ካብቲ ሰልሃውሃው ዝብል ዝነበረ ኩነታት ተናጊፈ፣ ኣብዚ ኣለዎ ዘይባህል እንተኾይኑ። ከቢድ ኢዩ፣ ንምርኣይ እኳ ዝፍቀድ እንተዘይነበረ። እንጌራ ከነእትወሉ ኣይተኸልከልናን፣ ስልጣንያ ምምልላስ ቀሊል ስምብራት ኣይኮነት ትገድፈልካ፣ ቊጠባ ገዛ ትገድፈሉ የብላን፣ ስድራ ምልእቲ ትምገባ ኢኻ ኣብ ሓንቲ ስልጣንያ ትጸብሓ፣ ዘይብልካ እንተኾይኑ ከኣ ዝገደደ ንዕዳን ዕንዲዳን ኢያ ትመርሓካ፣ ልዕሊ እቲ ላዕልን ታሕትን ግን ፍርህን ሻቑሎትን ኣለካ፣ እንታይ ኢዩ ክኸውን? ክፍረድ ድዩ? ብብዙሕ ዘይምለስ ሕቶታት ክትሓስብ ትውዕልን ትሕድርን፣ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጽቡቕ

ወረ ዝስምዖ ኣይነበረን፣ እናሓደርካ ክፉእ ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ፣ ገለ መዕቈሪ ዘይብሎም ብፍላይ ከኣ

ካብቶም ተኣሲሮም ዝወጹ ሰባት ትሰምዖ ግፍዕታት። እቲ ማእሰርቲ “እኽለ ማይን ምንባርን ኢዩ ዘጽልኣካ” ይብሉ፣ ሓቆም ኢዮም፣ ክሕብኣካ ስለ ትደሊ ደኣ’ምበር። ካብ ቤት ማእሰርቲ ትጽበዮ ክንደየናይ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል? ቅያር ክዳውንቲ ክኣትዎን ክሰድድን ምስ ተፈቕዶ’ውን ቅፍፍ ዝብለካ ነገር ትርእይ፣ ናይ ሃብተ እኳ። ናይ ሓደጋ ማኪና ዘይጠመመ ቊስሊ እግሪ ስለ ዝነበሮ ምስቲ ማህረምቲ ስረኡ ብደምን ማይን ዝጠልቀየ ኢዩ ዝልእከለይ፣ እቲ ክዳን ብቊማልን ቊንጭን መርእዪ ኣይርከቦን ኢዩ፣ ሓድሽ ክዳን ክትቕይረሉ ገንዘብ ይሓተካ፣ ግን። ነተን ቅያር ዝሰደን ክዳውንቲ ማይ ኣፍሊሐ ጥጥቕ ኣቢለ። ነታ ሓንቲ ከእትዋ ከለኹ። ነቲ ሓንቲ ሒዘያ ንገዛ ይምለስ፣ ብኸምዚ ልዕሊ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሩ ናብ ሰምበል ግዒዙ፣ ካብ ካርሸሊ ቤት ማሕቡስ ሰምበል

ሒሻቶም፣ ብዝወሓደ ጉዳዮም ዳግም ክርኣይ ክኢሉ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣቲኻ ንጻዕዳ ሓቂ ኢኻ “ኣሉ” ትብሎ፣ ነቲ ዝወዓልዎ ሓደ እኳ ውዒለ ዝብል ኣይተረኸበን።። ሰብ’ውን ግዲ ረኺቦም። ካብ ሰምበል ናብ ቤት ፍርዲ ከመላልሱዎም ይጅምሩ፣ ዳያኑ ዝብልዎን ሕቡሳት ዝምልሱዎን ሓንቲ ኢያ፣ መርመርቲ ከእምንዎም ይጽዕሩ ነይሮም፣ ኣብቲ ምምልላስ እኸዶ ስለ ዝነበርኩ። ነቶም ሓለውቲ ልምን ኣቢለ ሰላም ክብል ዕድል እረክብ ነይረ፣ ሓደ ረፍዲ ብቖጸራ ክምለሱ

ምስ ተነግሮም። ኣብ ኣፍደገ ጽግዕ ኢሉ። “ኣጥዒኺ ፈትሽያ፣ ነቦይ ቀሺ ኣብርሃ ሃብዮም” በለኒ፣ እታ ስረ ካብ ቤት ማእስርቲ ሰምበል ዝሰደዳ ስረ ኢያ፣ ገዛ ተመሊሰ ገላቢጠ ፈቲሸያ፣ መሕብኢ ዘይትፈልጥ ከመይ ጌርካ ክትረኽባ፣ ጁባታት ጥርሑ ጸኒሑኒ፣ ነታ ጥርሓ ስረኡ ዝገደፍኩሉ የብለይን፣ ደጋጊመ ነጊፈያ፣ ክረኽባ ኣለኒ ስለ ዝበልኩ ግን። ኣይቀበጽኩን፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዕጻፍ ቀለቤት ቊልፊ ድርቕ ዝበለ ነገር ስለ ዝተንከፍኩ። በታ ኣፍ ፈቲሐ ዕኲላል ወረቐት ጸኒሓትኒ፣ እታ ደብዳቤ ሓጻር ጽሕፍቲ

ኢያ፣ “ንኣቦይ ቀሺ ኣብርሃ ርኸብዮም፣ ናብቲ ጆሶ ዝገበረለይ ሓኪም ከይዶም። እግረይ ተሃሪመ ዝደቀስኩዎ መዓልትን ዕለትን ኣማዓራርዩ ክምስክረለይ ይርከብዎ” ዝብል መልእኽቲ ነይሩዋ፣ ንኣቦይ ቐሺ ኣብርሃ ከይደ ነጊረዮም፣ ብዘይዕጻይምጽይ ናብ ገዝኡ ከይዶም ረኺቦሞ፣ ተቓውሞ ኣየስምዐን፣ ነቲ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ዝነበረ ጽሑፍ ኣተዓራርዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ። ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቡ ተሓቲትሉ፣ “ከቢድ ሓደጋ ማኪና ኢዩ

ኣጋጢምዎ ነይሩ፣ እግሩ ክትቁረጽ

ነይሩዋ፣ ከይተሓለልኩ ስለ ዝጸዓርኩሉ ግን ካብ ምቑራጽ ድሒና፣ ኣብ ሕክምና ነዊሕ ደቂሱ ኢዩ ተመሓይሹ፣ ካብ ሕክምና ምስ ወጸ ድሕሪ ክልተ ቕነ ተመለሰኒ ኢለዮ ነይረ፣ ድሕሪኡ ግን ኣይተመልሰንን…” ኢሉ መስከረሉ፣ ዳርጋ ብጠቕላላ ኣብ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኢዩ ወጺኡ፣ ሽዑ’ውን። ኣብ ከብደይ ዝገደፎ ድቂ ወዲ ተወሊዱ ጸኒሑዎ- ሮቤል ኢለዮ፣ ቃላት ካብ መርዚ ኢዩ

ዝመርር፣ ብፍላይ ካብ ዘይትጽበዮ ሰብ ክትሰምዖ ከለኻ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፣ ነቲ ዝዛረቦ ሰብ ቀሊል ኢዩ ዝመስሎ። ንሰማዒ ግን ማዓንጣ ከብዱ ኢዩ ዝቖርጾ፣ “ክንደይ ማዓልቲ ብሰንኪ እዚ ሰብኣይ ክዋረድ ኢየ ዘይበልኩ ኣይኮንኩን፣ ቊሩብ ስክፍ ዘይብሎም ጎረባብቲ ነይሮሙኒ፣ ብፍላይ ሓደ ንግሆ ዝሰማዕኩዎ ቃላት ሓንቲ ጎረቤትና ዝርሳዕ ኣይኮነን፣ ንግሆ። ዓርክና ገብረስላሴ ኣስመላሽ

ተኣሲሩ ሰሚዐ። ካብ ገዛ ብድድ ኢለ ይወጽእ፣ ኣብ መገዲ ዝረኸበትኒ ሰበይቲ “ኣንቲ ግደይ እዞም ዓርኹምሲ ተኣሲሮም፣ ሎሚ ኸኣ ኣብ ገዝኦም ኣምጺኦም ከስእልዎም ኣርፊዶም ኢሎሞም” ኢላ ዘረባ ትጅምረለይ-ከም ጥዕይቲ፣ “ሕማቕ ግዜ እንዲና በጺሕና” ልቅብ የብላላ፣ “እወ፣ እንታይ ድኣ ዓርኩኹም እንድዮም ከኣ ቊጥሚ ንቚጥሚ ግጥሚ እንድዩ” ትበልኒ፣ ሰምቢደ፣ ኣትርር ኣቢለ ጥምት ኣቢለያ፣ ብሕርቃን ክዛረባ ኣይክኣልኩን፣ ኣብ ኣፈይ ዝተረፈ ቃላት ግን ነይሩኒ፣ “ሓቕኺ ጽቡቕ ኣለኹም፣ ሓዳርኩም ጥራይ ትገብሩ ኣለኹም፣ እንታይ ከፊእኩም” ክብላ ሓሲበ ግን ከኣ ፈሪሀ፣ ስቕ ኢለ ምኻድ መሪጸ፣ሽምና ከፊኡ፣ እቶም ዝቐርቡና ዝነበሩ ጎረባብቲ ክርሕቑ ጀሚሮም፣ ደቅና’ውን ክንጸሉ ከለው እስማዓኒ ነይሩ፣ ዝገበሮ ነገር ግን ኣይነበረን፣

ምቅይያር ኢዩ ዝመስል፣ ገብረስላሴ ዓርክና ኣብ ክልቲአን ቤት ማእሰርቲ ተሰጋጊሩ፣ ሃብተ ካብ ሰምበል ወጺኡ’ውን ስራሕ ቀደሙ ኣይገደፈን፣ ክሳብ ሽዑ ኢድ ስለ ዘይሓወስኩ እፈርሕ ጥራይ ነይረ፣ ንግሆ ወፊሩ ብሰላም ዝምለስ ኮይኑ ኣይስማዓንን ኢዩ፣ ግዜ ብኸምዚ ይሓልፍ፣ ካብ ዝፈራሕኩዎ’ውን ኣይወጽእን ኢየ፣ ቀትሪ ወይ ምሸት ልቡ ክሳብ ትትኮስ እናላህልሀ ክመጽእ ከሎ “ሎሚ ኸኣ ገለ ገይሩ እዚ ሰብኣይ” ኢለ ከብደይ እሓቊፍ፣ ክሳብ ትወግሕ’ውን ድቃስ ዝበሃል ኣይወስደንን፣ ብኸምዚ ግን ንኸይድ፣ እቲ ግዜ ከኣ ይኸይድ። ይኸይድ… ኣብ መጀመርያ 1975 ንበጽሕ፣

ካብ መስመሮም ሰባት ይተሓዙ፣ ጽጹይ ዘይኮነ ወረ’ውን እሰምዕ፣ ብመገዲ ኣኽርያ ተንቀሳቒሶም፣

ነቲ ዝደለይዎ ሰብ ኣብ ልክዕ ቆጸራ ይበጽሑዎ፣ እቲ ዕጡቕ ግን ይቕድሞም፣ ይትኲሰሎም፣ በታ ተኲሲ ሓንቲ ኣልጋነሽ ትበሃል ሰበይቲ ኣብ ታክሲ ከላ እግራ ትህረም፣ ወተሃደራት የርክብዎም፣ ሓደ ካብ ጉጅለ ብዓል ሃብተ። ዘሊሉ ናብ ሓንቲ መንደቕ ይኣቱ፣ ንዕኡ ከውጽኡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ፣ ብድሕሪ እዚ ኢዩ ናብ ገዛ ዝመጽእ፣ እቲ ጉዳይ ከምኣ ኢላ ትቕንይ፣ መን እንታይ ገይሩ’ውን ይፍለጥ፣ ምህዳን ከም ዝተጀመረ’ውን ብጽንጽንታ ይሰምዕ፣ ሃብተ ቀትሪ ንገዛ መጺኡ።

ከዕነንይ ይርእዮ፣ “ሎሚ ኸኣ ገለ ገይሩ ኣሎ?” እብል። ብውሽጠይ፣ ሕማቕ ነገር’ውን ኣብ መላእ ኣካላተይ ይስምዓኒ፣ ግንብንብ ክብለኒ ይጅምር፣ ምሳና ነይራ። ወላዲተይ ኢያ፣ ክትበጽሓኒ ኢያ ካብ ዓዲ መጺአ፣ ነብሰይ ጽቡቕ ስለ ዘይተሰምዓኒ። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ደቀይን ኣደይን ሕማቕ ከይንርኢ ኢለ ሓንቲ ሓሳብ አምጽእ፣ “ኣደይ”“እየይ”“ንዒ ኣብ ሓዳስ ሕደሪ”“ምስዞም ቈልዑ ኣብዚ ኢየ

ዝሓድር”“ንዒ ሕማቕ ከይተርእዩና፣

ንሰሎሞን ሰብኣይ ክሃርሞ ኢዩ፣ ኮርዩሉን ሓንሒንሉን ኢዩ ወጺኡ፣ ንዕኦም ኣብ ካልእ ገዛ ክሰዶም ኢየ፣ ንዓይ’ውን ክሃርመኒ ኢዩ፣ ሕጂ ንዒ ኪዲ”“ኣይከይድን፣ ንዓይ ረጊጹ

ኣይሃርመክን ኢዩ፣“ኣነ ድየ ዝፈልጦ ኣንቲ ኣደይ

ስምዕኒ እንዶ” ይብላ ምኻድ ትኣብየኒ፣ ንሰሎሙንን መድሃኔን ናብ እንዳ ዘውዲ ሰዲደዮም፣ ብኽንደይ ዕሪምሪም ኢዮም ከይዶም፣ ኣኺሎም ከኣ ኢዮም፣ ሰሎሙን 16 ዓመት። መድሃኔ ከኣ 14 ዓመት ኢዩ መሊኡ፣ሃብተ ኣምስዩ ኢዩ ንገዛ ኣትዩ፣ ገዛ እትው ኢሉ ናብ መደቂሲኦም ኣትዩ፣ ቈልዑ ኣብ ዓራቶም ኣይነበሩን፣“ንዕስከ” “ቈልዑ ኣበይ ኣለዉ?“ሰዲደዮም”“ናበይ?”“ፈሪሐ ኣብ ዝሓድርሉ ሰዲደዮም

ኣለኹ”“እንታይ ኮይነ ኢልኪ

ሰዲድክዮም“ዝኾንኮ ኮይነ ኣለኹ” ብኽሳደይ

ሓኒቚኒ፣ ናብቲ ዓራት ገጹ ደርቢዩኒ፣ ዋዕ ይኸውን፣ ኣደይ ትሰምዓና፣ ብድድ ኢላ ትመጻና፣ ይገድፈኒ፣ ናብቲ ትድቅሰሉ ምስኣ ይኸይድ፣ “ኪዲ ኣብ መደቀሲኺ?” ትብለኒ፣ “ኢለኪ እንድየ። ሕማቕ ከይትርእይኢ ኪዲ፣ ሕጂ ምሳኺ ኢየ ኣብዚ ዝሓድር” እብላ፣ መቸም ልቸ ኣጥፊእና ንድቅስ፣ ሰዓታት ይዕዘር፣ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ

ለይቲ። ካንቸሎና ይኲሕኳሕ፣ ድቃስ ስለ ዝሰዓረኒ ሕልሚ ኮይኑ ይስማዓኒ፣ ውሑጥ ድምጺ ኢዩ፣ እቲ ካሕኲሒት ድምጺ ይውስኽ፣ ብንጹር ይሰምዖ፣ ልቸ ወሊዐ ካብ ዓራት ይወርድ፣ ሃብተ መብራህቲ ወሊዑ ናባና ይመጽእ፣ “ናበይ ደሊኺ?” “ክኸፍቶ” “መን ኢሉኪ?” ነታ ናይ ክፍልና ልቸ ኣጥፊኡ

ንደገ ይወጽእ፣ኮምፕላስዮኒ ዝተኸድኑ ሰባት

ንውሽጢ ገዛ ይኣትው፣ ዘላለኹዎ ገጽ ኣይነበረን፣ ስራሕ ዘምሰዩ ኢዮም ዝመስሉ፣ ታህዋኾምን ምርባሾምን ዝሰለጦም ኣይመስሉን፣ ርቡሻት ምንባሮም። ካብቲ ተሓቢኡ ዘይሕባእ ድምጾም ክሰምዕ ኣይተሸገርኩን፣ ኣብ ገዛ ዝጸንሓ እኽለ ማይ ክቕርበሎም ኢለ ካብ ዓራት ወሪደ፣ ሰብኣይ ብኽፉእ ዓይኒ ገኒሑኒ፣ ናብ ዓራተይ ተመሊሰ፣ እንታይ ምዃኑ ዘይፍልጦ ነገር ከቐብሎም እፍለጠኒ፣ እቶም ሰለስተ ሰብ ኮምፕላዮኒ ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ ገዛና በብሓደ ይወጽኡ፣ ኣብታ ለይቲ እንታይ ከም ዝሰርሑ ኣይፈልጥን፣ ንጽባሒቱ ግን ሃብተ ኣንጊሁ

ምስ ወጸ ለይቲ ይምለስ፣ ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ናብ ዓራት ከይዱ ግምስስ ይብል፣ ጸጸኒሑ ከኣ ናይ ሕርቃን ምልህላህ ይሰምዓሉ፣ ምውሓጥን ምትንፋስን ድምጹ ካብ ምቁጽጻሩ ወጻኢ ኢዩ ነይሩ፣ ዘይስማዕ ቃላት’ውን ይዛረብ፣ ግን ክርዳኣኒ ኣይከኣለን፣ ቀስ ኢለ ብዙሕ ግዜ ሓቲተዮ። ዝሕል ኢሉ እኳ እንተተዛረበኒ እቲ ምስጢር ግን ክነገረኒ ኣይክኣለን፣ መሬት ከምኣ ኢላ ወጊሓ፣ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ። ኣብርሃ

ዝበሃል ኣብ ቃኘው ዝሰርሕ ሰብና ንገዛና ይመጽእ፣ ሓመድ ኢዩ መሲሉ፣ ኣብ ርእሲኡ ናይ ድኻም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ጸለሎ ተኸዲኑ፣ ምስ ሃብተ ብሓደ ስለ ዘይርኣኹዎ ምስኡ ኢድ ዝሕውስ ይመስለኒ ኣይነበረን “ድሓን ዲኻ? እንታይ ድኣ ኢኻ

መሲልካ?” “ጌሸ ጸኒሓ ኮይነ ኢየ” “ማይ በል ተሓጸብ” “ንዒ ጥራይ ሓንሳብ ኣብዚ ኮፍ

በሊ” እብለኒ፣ ሃብተ ሓንቲ ቃል ኣየውጽአን፣ “ሕጂ ኸኣ እንታይ ክሰምዕ ኢየ” እናበልኩ ተሃዊኸ፣ ፍርሕ-ፍርሕ ኢለ፣ “ ግደይ ሕጂ ክትወጹ ኢኹም

ንሜዳ?” ነታ ጉዳይ ብትኽ ኣቢሉ ነገረኒ፣ ክዛረብ ዕድል’ውን ኣይሃበንን፣ “ሕጂ ዝፈሸለና ነገር ስለ ዘሎ። ብዘይ ውዓል ሕደር ክትወጹ ተወሲኑ ኣሎ” ይብለኒ፣ “ኣነስ ኣይወጽእን ኢየ” ተሪረ እምለሰሉ፣ ሃብተ ስቕ ኢሉ ጸኒሑ። “ ድሓን ግደፋ፣ እዞም ክልተ ደቀይ ግን ካባይ ኣይተርፉን ኢዮም” ውሳኒኡ ኣፍለጠ፣

ይቕጽል

ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ሕታም። ብዓል ቤት ወ/ሮ ግደይ መንግስቱ። ንሜዳ ምስ ከደ። ምስ ደቀን ኣብ እንዳ ኣባሞቻል ብፖሊስ ተሓቲተን።። ሰብኣይኪ ክሳብ ዝተሓዝ ወይ ዝቕተል ካብ ከተማ ኣይትወጽእን ኢኺ ተባሂለን፣ ነተን ዝነበራኦም ስራሕ ባርን ባርቤርን ከካይድአን ስለ ዘይካኣላ። ተሸጣ፣ ልቸንሳ ከሰርዛ ምስ ከዳ። ሓደ ሰራሕተኛ። ፍርቀን እተን ዝነበራኣን ዕዳ ኣብ መንዲለን ቆጺሩ ገደፈለን፣ ኣብ መጀመርያ 1970ታት ሃብተ። ካብ ሜዳ ኣተወ።። ምኽንያት መምጺኡኡ ዕዳ በርቲዑኒ ስለ ዝበለ ብዓይኒ ጥርጠራ ተራእዩ ካልኦት ቀልጢፎም ክወጹ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸንሐ፣ ዳግማይ ኣብ ስራሕ ሃገር ከሎ። ሓደጋ ማኪና ኣጋጠሞ፣ ተሓኪሙ ካብ ሆስፒታል ወጸ፣ ኣብ መስመር ሹቕ ዕዳጋ ዓርቢ ሓንቲ ስርሒት ፈሸለት፣ ብትሒም ትሒም ኣብታ ስርሒት ዝተሳተፉ ሰባት ክፍለጡን በብሓደ ተሃዲኖም ክእሰሩ ጀመሩ፣ ክሳብ ኣብዚ ኢና በጺሕና ነይርና፣ ሳልሳይ ክፋል እንሆ።-

Page 5: Haddas Eritrea - June 17, 2009

5ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ስነ-ጽባቐ ጸጉሪኣዝማ። ሓዳሪ ሕማም ናይ ስርዓተ-

ምስትንፋስ’ዩ፣ ጨና ናይ እንስሳታት። ደሮናን ናይ ኣትክልቲ ጽገን ንሕማም ኣዝማ የጋድዱ፣

ምልክታት ኣዝማ።- ሕጽረት ምስትንፋስ። ጽበት ናይ’ቶም ኣብ ሳናቡእ ዝርከቡ መተሓላለፊ ኣየር።

ሰዓል። ጺጽታ (ጺጽ ዝብል ድምጺ)። ብዙሕ ልፋጭን ካልኦትን ክጥቀሱ ይኽእሉ፣ ብዘይካ’ዚ ዛሕሊ። ብከላ ኣየር። ሽጋርን ጭንቀትን ቀንዲ ኣጋደድቲ ረቛሒታት ናይ ሕማም ኣዝማ’ዮም፣ ገለ-ገለ ደቂንስትዮ ኣብ ግዜ ጥንስን ንጽፈተ-ጽግያትን ብሕማም ኣዝማ

ይጥቅዓ፣ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ ኣዝማ። እቶም

ኣብ ከባቢ መተሓላለፊ ሻምብቆ ኣየር ዘለዉ ጭዋዳታት ይውጠሩ’ሞ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነድርን ዝያዳ ልፋጭን ይገብር፣ እዚ ከኣ ንመተሓላለፊ ኣየር የጽብቦ - ሕጽረት ምስትንፋስ ከኣ

የስዕብ፣ሕማም ኣዝማ። ዝተማጣጠነ መግቢ

ብምምጋብ። ካብ’ቶም ኣጋደድቲ ረቛሒታት - ጸጒሪ ናይ እንስሳታት። ደሮና። ሽጋራ... ምጥንቃቕን ስፖርት ብምዝውታርን ሳዕቤናት ክነወግዶ ንኽእል፣ ብዘይካ’ዚ። ኣዝማ በቶም ኣብ

ሕማም ኣዝማን ፍወሳኡንቤትና እንረኽቦም ጥረ-ነገራት ክንፍውሶ ንኽእል ኢና፣ ገለ ካብ’ቲ ብዙሕ ፍወሳ ንምጥቃስ።-- ቀይሕ መዓርን ጽማቚ ለሚንን

ኣብ ባዴላ ጌርና ብምትውዋስ ኣብ ዝሕል ዝበለ ሙቘት ዘለዎ ሓዊ ን20 ደቒቕ ነብስሎ’ሞ ንግሆ ተንሲእና ሓንቲ ማንካ ናይ ሻሂ ንወስድ- ዝተጣሕነ ኣባዕከ ምስ ዝፈልሐ

ኩባያ ማይ ብምትሕውዋስ ሽኮር ወይ መዓር ኣእቲና። ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ንሰቲ- ኣብ ዝሕል ዝበለ ኣየር ዝርከቦ

ከባቢ ከይድካ ኮፍ ኢልካ ብምዝናይን ኣዕሚቚካ ብምስትንፋስን። መዓልታዊ ሓድሽ ጽማቝ ካውሎ ወይ ሓንቲ ኩባያ ጸባ ምስታይ ኣብ ምፍዋስ ሕማም ኣዝማ ልዑል ግደ ኣለዎ- ክልተ ማንካ ሓድሽ ጽማቚ

ለሚንን ሓንቲ ማንካ ማይን ንግሆን ምሸትን ምስታይ- ድምቕ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ሻሂ

(እንተ ተረኺቡ ‘ሊብቶን’ ከም ድላይካ ክትቆጻጸሮ ስለ ትኽእል)- ሓንቲ ማንካ ናይ ሻሂ ጽሩይ መዓር።

ሓንቲ ማንካ ናይ ሻሂ ዘይቲ ኣውሊዕ (olive oil)። ፍርቂ ኩባያ ጸባን ቁሩብ ሽጉርቲ ጻዕዳን ሓዋዊስካ ብምፍላሕ መዓልታዊ ምስታይ- ኣዝዩ ዝፈልሐ ማይ ፊት-ፊት

ኢልካ ምስታይ ወይ’ውን ቡን ጸባ ከይሓወስካ ብውዕይታ ምስታይ ካብ ሕማም ኣዝማ ክትፍወስ ትኽእል - ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ሽሓኒ ማይ

ተፍልሕ፣ ቁሩብ ህድእ ምስ በለ ኣብ ርእስኻ ሽጎማነ ጌርካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሽሓኒ ብገጽካ ተደፊእካ። ን20 ደቒቕ ብኣፍንጫኻ ካብ’ቲ ሃፋ ንውሽጢ ብምስሓብ ንሕማም ኣዝማ ይፍውስ፣

ምትካኽ ሽጋራ። ኣዝዩ ሓደገኛን ኣወላፍን’ዩ፣ ሽጋራ ‘ኒኮቲን’ ዝብሃል ንሕማም ልቢን ካንሰርን ዘቃልዕ ባእታ ኣለዎ፣ ብዘይካ’ዚ ምትካኽ ሽጋራ። ሓንጎልን መትንታትን ይጎድእ። ሕጽረት ምስትንፋስ። ሕማቕ ሽታ እስትንፋስ። ብጫ ስኒ (ባዕኻኽ ስኒ)። ክዳውንትኻ ሕማቕ ሽታ ከም ዝህልዎ ይገብር፣ ምትካኽ ሽጋራ ብቐሊሉ ከተቋርጾ ቀሊል’ኳ እንተዘይኰነ። እንተተበጊስካሉ ግን ይከኣል’ዩ፣ ገለ ካብ’ቶም ሽጋራ ንምውጋድ ዝሕግዙ እምብኣር።-- ብዙሕ ማይ ምስታይ - ሽጋራ ንኸተቋርጽን ነቲ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ መርዚ ንምጽራይን ይሕግዘካ- ሽጋራ ንኽትሰቲ ኣብ እትደፋፍኣሉ ግዜ። ኣብ መልሓስካ ጨው ግበር፣ ከም’ዚ እናገበርካ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ወርሒ ጽናሕ

ሕቶ ጥዕናሕቶ ጥዕና

- ብብዝሒ ጽማቚ ‘ሰደኖ’ን ጽማቚ ካሮትን ምስታይ ነቲ ንምስታይ ሽጋር ዝደፋፍኣካ ይንክዮ- መዓልታዊ ብስራሕ ምጽማድ። ሽጋራ ናይ ምስታይ ስምዒት ኣብ ዝደፋፍኣካ። ማስቲካ ምሕያኽ ወይ ዝምጸ ካሪመለ ምምጻይን ጠቕሚ ምቁራጽ ሽጋራ ዓቢ ረብሓ ከም ዘለዎ ምስትውዓልን ኣብ ምውጋድ ሽጋራ ዓቢ እጃም ኣለዎም፣

ኣፈዋውሳ ፎሮፎር

ፎሮፎር። ብዝተፈላለዩ ጠንቅታት - ጉድለት ጥዕና። ዘይሰማምዓካ መግቢ ምስ እትምገብ (ምምራዝ መግቢ)። ድርቀት። ረኽሲ። ትሑት ናይ ተጻዋርነት ዓቕምን ካልእን ዚስዕብ ጸጒርኻ ክትምሽጥ እንከለኻ ወይ ንቘርበት ናይ ርእስኻ ምስ እትሓኮ። ኣብ ገጽካ። መንኮብካን ክዳንካን ዝረግፍ ንኣሽቱ ቅራፋት ናይ ምዉት ቈርበት’ዩ፣ እዚ ኣዝዩ ስለ ዘሳሕየካ ከኣ ትሓኮ’ሞ ቈርበት ናይ ርእስኻ ይቐይሕ፣ ብዘይካ’ዞም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም። ዘይሰማምዓካ ሻምቦ ምዝውታር። ርእስኻ ንቁሪ ምቅላዕን ሓፈሻዊ ድኻምን ጠንቂ ፎሮፎር’ዮም፣

ክልተ ዓይነታት ፎሮፎር ኣለዉ - ደረቕን ቀባእባእ ዝብልን፣ እቲ ደረቕ ኣሳሓዪ ክኸውን እንከሎ። እቲ ቀባእባእ ዝብል ፎሮፎር ከኣ ሓደ-ሓደ ግዜ ሽታ ይገብር፣ ፎሮፎር በዞም ዚስዕቡ ክንፍውሶ ንኽእል።-* ዘርኢ ኣባዕከ። ኣብ ምፍዋስ

ፎሮፎር ልዑል ውጽኢት’ዩ ዘለዎ፣ ክልተ ማንካ ናይ ጣውላ ኣባዕከ ኣብ ማይ ኣሊኽናዮ ድሕሪ ምሕዳር። ልክዕ ከም ብሒቚ ኣዳሊና ንቈርበት ናይ ርእስና ንሓደ ፍርቂ ሰዓት ለኺናዮ ድሕሪ ምጽናሕ ንሕጸቦ* ጽማቚ ለሚን። ጸጒርኻ

ኣጽሪኻ ምስ ተሓጸብካዮ ኣብ’ታ ናይ መውዳእታ ሳምና ወይ ሻምቦ ጌርካ እተማዝወላ። ሓንቲ ማንካ ናይ ሻሂ ለሚን ምስ ትገብረላ። ንፎሮፎር ይፍውስ። ከምኡ’ውን ጸጒርኻ ውዕውዕ ሕብሪ ይህልዎ* ብንጅር (beet)። ክልቲኡ -

ሱርን ጉንዲን ናይ ብንጅር ብማይ ኣፍሊሕና። ምሸተዊ ነቲ ማዩ ኣብ ቈርበት ናይ ርእስና ብኣጻብዕትና እናገበርና ነማዝዎ፣ * ጸጒሪ ርእሲ። መዓልታዊ ብጹሩይ

ኮኮናት ኦይል ምድራዝ* ክልተ ማንካ ናይ ጣውላ ሓድሽ

ጹማቚ ሜለ ምስ ክልተ ማንካ ልቡጥ ማይ ብምትሕውዋስ ንጸጉሪ ለኺኻ ንዓሰርተ ደቒቕ ጸኒሓካ ትሕጸቦ፣ ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ደጋግሞ* ዘይቲ ኣውሊዕ (olive oil) ጌርካ

ንቈርበት ናይ ርእስኻ ድረዞ፣ ን5 ክሳብ 10 ሰዓታት ጸኒሕካ ተሓጸቦ* ሓንቲ ከኒና ኣስፕሪን ሴርካ

ኣብ’ታ ኩሉ ግዜ እተዘውትራ ሻምቦኻ ኣእቲኻ ጽቡቕ ገይራ ከም ትተሓዋወስ ግበራ’ሞ ንጸጒርኻ ካብኡ ተሓጸብ* ብሜለ ዝተዳለወ ኣቸቶ (ap-

ple cider vinegar) ኣብ ጸጒርኻ ድሕሪ ምፍሳስ ጽቡቕ ጌርካ ኣማዝዎ ንቑሩብ ደቓይቕ - ክሳብ ዝነቅጽ ጸኒሕካ ተሓጸቦ፣ ክሳብ ትፍወስ ብኸምዚ ደጋግሞ * መዓር ኣብ ጸጒሪ እንተድኣ

ለጊቡ የሸይበካ ዝብሃል ኣበሃህላ’ኳ እንተሎ። መዓር ኣብ ምፍዋስ ፎሮፎር ልዑል ውጽኢት ኣለዎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና’ውን መዓር ንጸጒሪ ርእሲ ጽቡቕ ምዃኑ ርኢና ኔርና ኢና፣ ነቲ ዝተቐረፈ ቈርበት መዓር ጌርና ንደርዞ’ሞ ን45 ደቒቕ ጸኒሕና ንሕጸቦ፣ መዓልታዊ ንኽልተ ሰሙን ወይ ክሳብ ፎሮፎር ዝሓውየልካ ተጠቐም፣

ምንጪ።- home remedey

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም። ኣነቓቕጻ ቋንጣ ዓሳ ርኢና ኔርና፣ ከምዘለዎ ክንደግሞ ኢና፣ ዓሳ። ኣብ ጨው ዝተበጽበጸ ማይ ብምእላኽ ወይ ከኣ ጥረ ጨው ኣብ’ቲ ስጋ ዓሳ ብምድፍዳፍ ከነንቅጾ ንኽእል፣ ትሕዝቶ ብጨው ዝነቐጸ ዓሳ ካብ’ቲ ሓድሽ ዓሳ ብዙሕ ዝፈሊ የብሉን፣ ብግቡእ ዝነቐጸ ዓሳ ኣብ ከበሳ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ። ኣብ ቆላ ኸኣ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ከይተባላሸወ ክጸንሕ ይኽእል፣ብጨው ዝነቐጸ ዓሳ ምጥቃም

ኣብ ዝድለየሉ እዋን ነቲ ዓሳ ኣብ ማይ ካብ ሰለስተ ሰዓት ዘይነውሕ ግዜ ኣሊኽካ ጨው ክሳብ ዝኸይድ ደጋጊምካ ብማይ ምሕጻብ ይግባእ፣ብጨው ዝነቐጸ ዓሳ ክኽሸን ከሎ ከም ስጋ ከብቲ ብዙሕ ሓዊ ክሃርሞ ኣይግባእን፣ እንተዀነ ምስ ሓድሽ ዓሳ (ዘይነቐጸ) ክነጻጸር ከሎ። ንቑጽ ዓሳ ንኽበስል ዝያዳ ሓዊ ክሃርሞ ይምረጽ፣

ዓቐን1. 100 ግራም ቋንጣ ዓሳ2.1/4 (ርብዒ) ኪሎ ዱባ3. 2 ዓቢ ዝደቐቐ ሽጉርቲ ቀይሕ4. 2 ዓቢ ዝተጣሕነ ኮሚደረ5. 1 ንእሽቶ ዓካር ዝደቐቐ ሽጉርቲ

ጻዕዳ

6. 2 ማንካ ዓቢ በርበረ7. 1/4 ንእሽቶ ማንካ ድኹም

ኮረሪማ8. 11/2 (ሓደን ፈረቓን) ፍንጃል ዘይቲ9. 1/2 (ፍርቂ) ንእሽቶ ማንካ በርበረ ጸሊም

ኣገባብ1. ቋንጣ ዓሳ ንሰለስተ ሰዓት ማይ

እናቐየርና ንኣልኮ2. ምስ ለስለሰ ንጸብሒ ከም ዚኸውን ጌርና ንመትሮ

3. ዱባ ቀሪፍና ንመትሮ4.ሽጉርቲ ቀይሕ ቅይሕ ክሳብ ዝብል

ብዘይቲ ቈሊና ኮሚደረ ነእትወሉ5. ብድሕሪኡ በርበረን ኮረሪማን

ኣእቲና ንቐልዎ6. ሽጉርቲ ጻዕዳ ኣእቲና ነቲ ዘዳለናዮ ዱባ ነእትዎ7. ነቲ ዓሳ ኣእቲና ድሕሪ 20 ደቒቕ ምብሳሉ ርኢና። ኣውሪድና በርበሪ ጸሊም ነስኒስና ንቕርቦ፣

ምንጪ።- ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ክፍሊ ኑትሪሽን

ኣሰራርሓ ዝግኒ ቋንጣ ዓሳ ብዱባኣሰራርሓ ዝግኒ ቋንጣ ዓሳ ብዱባ

ሕቶ።- ሽጋራ ንኸቋርጾ እንታይ እንተገበርኩ ይሓይሽ?ሕቶ።- ሽጋራ ንኸቋርጾ እንታይ እንተገበርኩ ይሓይሽ?

Page 6: Haddas Eritrea - June 17, 2009

6ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ኣዳለውቲ ምልክታ - ሄለን ዮናስ - ልዋም ተስፋሂወት

ምልክታታት ቤት ፍርዲ

ምስጋና ብሞት ኣዚየ ዘፍቅራ በዓልቲ

ቤተይ ወ/ሮ ሓጉሻ ገብረ መሪር ሓዘን እናተሰማዓና። ኣብ ደብረ ኣቡነ ኣንበስ ዘቃበርኩምና ኣሕዋትናን ፈተውትናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና የቀንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ፣

በዓልቤተን ሰርጌንቲ ዑቕባማርያም ሃብቱምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ምልክታ

ብስም በዓል ቤተይ ነፍስሄር መንግስትኣብ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ዝተመዝገበ ናይ ገዛ ዋንነት ደብተር ቁጽሪ 120341 መወከሲ ቁጽሪ 104373 ስለዝጠፍኣኒ። ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ። ብቁጽሪ 120816 ቀሪቡ ከረክበንን ክሕብረንን፣ እንተዘየለ መተካእታ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር፣

ወ/ሮ ኣዝመራ ቦኽረጼንወኪል ኣቶ ኣኽሊሉ ተስፋይ

ምስጋና ብሞት እነፍቅራ ኣዴና ወ/ሮ

ትበርህ እስቲፋኖስ ኣብ ዓዲ- ኣቤቶ ዘቃበርኩምና። ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ፣

ምሉኣት ስድራ-ቤት

ሓራጅብፍ/በ/መሰል ግደኣለም ጸጋይ ዘፍረድዎ ብፍ/በ/ዕዳ ሰለሙን

ተኽለሚካኤል ዕዳኦም ክኸፍሉ ስለዘይከኣሉ። ንብረቶም ዝኾነት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ዓይነታ ስካንያ(Scania) ገልባጢት። ቁ.ስሌዳ ኢ-ኣር-3-03890 ዝኾነት። ሞተረ ፋሕ ዝበለ። ምትዕርራይ ዘድልዮ። ኣርባዕተ ጎማ ዘይብላ። ባተሪ ዘይብላ ብክኢላ ናቕፋ 65,000 ዝተገመተት ብጉሉጽ ሓራጅ ክትሽየጥ ስለዝኾነት። ክወዳደር ዝደሊ ¼ ካብ መበገሲ ሓራጅ ብስም ፈ/ፍርዲ ካብ ባንክ ሲ.ፒ.ኦ ብምስራሕ ወይ ናይ ባንክ ደብተር ብምትሓዝ ክወዳደር ይኽእል፣ ዝቃወም እንተሎ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ መአገዲ ምስዘየቕርብ ሓራጅ ደው ኣይብልን፣

ዕለት ሓራጅ ።- 30/06/09ሰዓት።- 10።00-10።30 ቅ/ቀትሪቦታ ሓራጅ።- ኣብ ጋራጅ ኤሪ ቴክ ጎደና ደርዓ ቁ.ገዛ 746 ዝያዳ ሓበሬታ ዝደሊ ኣብ ላ/ቤ/ፍርዲ ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍ/ኣስመራ

ቁ.65/2 ክውከስ ይኽእል፣ ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ መንደፈራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ፍረወይኒ ወልደሃይማኖት ወልደገርጊስ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሃብቶም ኣስጎዶም ሓየሎም ስለዝተሰወአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ክልተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ሰለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን24/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ሃይምኖት ሃይለ ዘለለው። በዓል ቤተይ ኣቶ ዛረሉ ሃብተማርያም ሓጎስ። ስለዝተሰወአ። ናዓይ ናይ ምጻምዲ ምሰለይ ክሕለወለይ። ሓደ ወዱ ድማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ ዝቃወም እንተሎ። ን21/07/09 ኣብ 3ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀተሪ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣምለሱ ገብረሙሴ እማሃጼን። ወደይ ገብረእዝግኣብሄር ዘሪሁን ጽገ

ስለዝተሰወአ። ኣነ ኣዲኡ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን10/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ነብያት የማነ ወልደክርስቶስ። በዓል ቤተይ ኣቶ ተስፋልደት ኣብርሃ ተኽለ ማርያም ስለዝተሰወአ። ሰለስተ ደቁ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 3ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ለተሚካኤል ገ/እግዚኣብሄር ዘወልዲ። በዓል ቤተይ ኣቶ ዮሴፍ ገረዝጊሄር ሃብተሚካኤል ስለዝተሰውአ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሓንቲ ጓልና ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን17/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኢትዮጵያ ሃብተስላሴ ዑ/ሚካኤል። በዓል ቤተይ ኣቶ በረኸት ገብረኣምላኽ ገብረኪዳን

ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓደ ወድና ድማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣብርሀት ተፈሪ ምስግና። ወደይ ገብረእዝግኣብሄር ተኪኤ ብርሃነ ስለዝተሰውአ። ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/09/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ዮርዳኖስ ዘሚካኤል ፍስሃየ። ኣቦይ ኣቶ ዘሚካኤል ፍስሃየ መንግስቱ ስለዝተሰውአ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሓወይ ምዃንና ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/10/09 ኣብ 3ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ ዝረኣዩ ጉዳያት

ሰናይት ክፍለ ገብረእየሱስ ምባል ተሪፉ። ሰናይት ክፍለማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/06/09 ኣብ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣዝመራ መስፍን ግደ። ኣቦና መስፍን ግደ ስለዝሞተ። ንወ/ሮ ርሻን ገብረዝጊ ናይ መጻምዲ መሰላ ክሕለወላ። ወረስቱ ድማ ኣነ ምስ ሓደ ሓወይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን29/06/09 ይቕረብ፣

ኣቶ ኢሳቕ ሃብተገርግሽ ክፍሉ። በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ምላሹ ዘመንፈስ ቅዱስ ስለዝሞተት። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ንትሽዓተ ደቃ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣለም ሃይለ ግብረቱ። በዓል ቤተይ ኣቶ ዘርእዝጊ ተስፋ ጋይም ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/06/09 ኣብ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣቶ ሃብቱ ገብረማርያም ሳርያምን ወ/ሮ ሂወት ወልደገብሪኤልን። ወድና ፍስሃ ሃብቱ ስለዝተሰውአ። ወረስቱ

Asmara Int’l Community SchoolAccepting Applications for

SCHOOL DIRECTOR TO BEGIN August 2009

The Director of AICS is the Head of School. The position is responsible for the overall education and fi nances of a school.Qualifi ed Candidates must meet these minimum requirements:

• Advanced University Degree ( Masters or Doctorate)• Internationally recognized Certifi cation• 3 years experience as an international school

Administrator• Experience working with multinational community• Proof of demobilization or certifi cate of exemption

from national serviceQualifi ed applicants only please send resumes (CVs) and letters of reference before the Deadline of 20 June 2009.

AICS, Director SearchP.O Box 4941

Asmara, EritreaNo telephone calls or appointments please, successfulCandidates will be notifi ed 23 June 2009.

INVITATION TO BID

ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን29/06/09 ኣብ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ሂወት ሰለሙን ህብቱ። በዓል ቤተይ ኣቶ መሓሪ ኣስፍሃ ምስጉን ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሽዱሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ ቁ/5 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ለተንሰአ ተስፋማርያም። በዓል ቤተይ ኣቶ ገብረሚካኤል ሞጎስ ክፍለ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሰለስተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን24/06/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ሃይለ ወልደሚካኤል። በዓል ቤተይ ኣቶ ሓጎስ በርሀ ወልደትንሳኤ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣርባዕተ ደቁ ድማ ወረስቱ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን24/06/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ጾሮና ዝረኣዩ

ጉዳያትወ/ሮ ግደይ ለገሰ ገብረ። በዓል

ቤተይ ኣቶ ብርሃነ ካሕሳይ ወልደህላሴ ብኣድራሽኡ ስለዘይተረክበ። ብጋዜጣ ተጸዊዖም ን30/06/09 ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ቤ/ፍ ጉዳይኩም ርእዩ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ኣቶ ጉዕሽ መብራህቶም ነጋሽ። ወለድና ኣቶ መብራህቶም ነጋሽን ወ/ሮ እልፊ ሓጎስን ስለዝሞቱ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሽዱሽተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ ከረን ዝረኣዩ

ጉዳያትወ/ሮ ዳግነሽ መንግስቱ

ኣብርሃም። በዓል ቤተይ ኣቶ ጎይቶኦም ገብረወልዲ ተክለ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ክልተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣርሄት እድሪስኖር ናፍዕ። ኣቦ ወደይ ኣቶ ሚካኤል ተስፋማርያም ኣባይ ስለዝተሰውአ። ወደይ ዓብደልዓዚዝ ሚካኤል ተስፋማርያም ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን10/07/09 ይቕረብ፣

Page 7: Haddas Eritrea - June 17, 2009

7ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ምልክታታት

Standard advertisement for local open tender procedures (C 3)

Procurement of Association of Chartered Certifi ed Accountants Study Materials

EuropeAid/128-235/M/SUP/ER (FED)

The National Authorizing Offi cer intends to award a supply contract for the Procurement of Association of Chartered Certifi ed Accountant (ACCA) Study Materials in Asmara with fi nancial assistance from the 9th EDF, Support to the Offi ce of the Auditor General programme of the European Communities. The tender dossier is available from:

The Offi ce of the Auditor GeneralP.O.Box 918Dembe Sembel, Block ‘A’ , 2nd fl oor, Asmara, Eritrea, Tele: +291-1-152203, Fax: +291-1-150252

and will also be published on the EuropeAid website: https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.welcome. The deadline for submission of tenders is 20 July 2009, at 10:00 Asmara time (GMT+3). Possible additional information or clarifi cations/questions shall be published on the EuropeAid website: https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.welcome and Local newspaper “Haddas Eritrea” and “Eritrean profi le”.

Interested national tenderers shall submit a copy of their renewed license for the year 2009 together with their offer.

}ch©M kDê !ቋ}cü †}´Dï› ‰M K[³²U ©öF©öF`©ö`§ ‹ÏDï †p }ÊDL ´sò oKAY ‰êDê –§{q qMBXoñ mkቋ}cü †}´Dï› ‹KATE ›°MT

K[³²Uq ©öF©öF „ï¥; ksï M‹�}¥q’¥ `©ö`§ ‹ÏDï }oKAY …›¥ Êp{ðq} …`dhDïq};†Mk…X‰]: oKAY `©ö`§ ‹ÏDï {š K[³²Uq ©öF©öF

mk–‘q }‹�[´Tg} …mk„ê }›²¹NM òLq ›Ï’]}: ÄÂ’D÷] ²ªïM kòq qMBXoñ cü}cü: K©mk qMBXoñ cü}cü †}´Dï› (Springboard English) …ªF£ …D÷;†sï K©mk mkM‰êVq KLBV}: sK|gñ KÄIÏq} M—

kéF …²lmk} }oKAY †|g]„} †|s|ገ•} mk†}´Dï› |§ M›Vmk: M]L—: M}lmk} MÃöHÏ} –iNM ‹mk smkFDê K©mk ]D›Œ�{: |§’ sï o·cMoñ }‹Œ�{ê: }‰�êD÷M oKAY} ‘D©ö} }ch©M }mkF;M›²l ›°MSDê —Dq:- [{ 15 2009qMBXoñ ›°MSDê —Dq:- [{ 22 2009 …©öV`|:- μ©| |iÍ, cë.²š:- 160 cë.]F‰ï:- 08206543 (¹d Ðr Dêd]/ Ìq W©ö-[ï ]ÔXq ‹Dmk)

ሓበሬታ ሉዊ ኮምፕዩተር ማእከል ኣብዞም ዝስዕቡ ትምህርቲ ሓድሽ ምዝገባ ጀሚሩ ኣሎ፣ -Accounting with peachtree 2007 -Basic computer course

ኣድራሻናካምቦቦሎ ጥቃ ጎልደን ፎርክ ፊት ኣልሓሽሚ

ሞል ጎደና ኮከን ቁ.ገዛ 16 ቴሌ 202293

L

U

W

I

L

U

WI

ምስጋናብሞት ጓልና ትርሓስ (ናርዶስ)

ኪዳነ ገብረገርግሽ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ክሳብ እምበይቶ /ሰሓርቲ/ ብምኻድ ዘቃበርኩምና። ኣብ ኦስሎን በርገንን /ነርወይ/ ነበርቲ ካብ ግዜ ሕማማ ጀሚርኩም ዝተመላለስኩምን ከምኡ’ውን ኤምባሲ ሃገረ ሽወደን ሬሳ ኣብ ምስዳድ ዝተሓባበርኩምና። ኣብ ግዜ ሓዘንና ብኣካልን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና። ሰድራ-ቤትና ፈተውትን የቀንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ፣

ኣዲኣ ኣበባ ወ/ማሪያም /ሕይወት ፍስሃ/ ከምኡ’ውን ኣቡኣ ኪዳነ ገብረገርግሽ

ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

BISHA MINING SHARE COMPANY VACANCY ANNOUNCEMENT

COST ENGINEER (Quantity Surveyor) Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the position of COST ENGINEER (Quantity Surveyor)The holder of this position is responsible for maintaining tight control of Project Budget, Financing and schedule during construction of Bisha Mining. Duties and Responsibilities• Work closely with EPCM and Sub Contractors to ensure accurate reporting and

claims• Measure EPCM contractor man-hours claims against earned value and

accuracy.• Check orders against tenders and budget including variation orders• Verify payment certifi cates against quantities order and budgets• Maintain relationship of cost against schedule• Prepare monthly reportsQualifi cations and Experience• Certifi ed with Cost Engineering• An experience of more than 10 years in mining construction budget.• Worked in controlling and advising EPCM contractors.• Long experience in management• Good computer skills ( Microsoft Offi ces) with specialized skill of Primavera

and Skire Software • Effective English oral and written communication skillsOther requirements: *Candidates must able to provide evidence of completion or exemption from national service. *Currently employed Applicants must hold a release paper from employer.Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P.O.BOX 4276 Asmara, Eritrea

Deadline for application: 15 days from the day of publication in the Newspaper Note to all applicants Please send a copy of your application to; Department of Labor Ministry of Labor and Human Welfare P.O.BOX 5252, Asmara, Eritrea

BISHA MINING SHARE COMPANY VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company is inviting applicants for a ‘A Mini-bus and Truck trailer Driver’ Position: Mini-bus and Truck trailer Driver’ Key Responsibilities • Driving between Bisha site and Asmara Offi ce on a daily basis.• Driving between Bisha Site or Asmara Offi ce to/from Massawa when ever

requested• Maintain truck log according to Company regulation and keep fi le information • Keep record of materials and products (heavy truck) passengers (mini-bus)

transported• Keep the vehicles clean, and keep service schedule.• Secure cargo for transport , good handling of cargo or passengers(mini-bus) • Communicating with people outside the organization, representing the

organization to customers, the public, government, and other external sources. The communication could be in person, in writing, or by telephone or e-mail.

Key Qualifi cations• A 5th grade driving license and Junior high school or above academic education • 10 years or more driving experience of mini-bus and heavy truck• A fair knowledge of reading the semi-computerized gadgets inside a truck• A basic ability of mechanics Knowledge of machines and tools, including their

designs, uses, repair, and maintenance.• Good static strength, ability to quick respond, good far and near vision, good oral

comprehension, and ability to bend stretches, twist, or reach with body, arms, and/or legs.

• Good knowledge of English to communicate with the passengers who are Of different Nationalities, knowledge of other languages will be advantageous

• Age: Below 55 years• Attach all testimonial documents (CV, work experience credentials ,A copy of

Your national Identity Card & 5th grade Driving license)• Type of contract: Indefi nite period• Salary As per Company salary scale• Additional requirement: 1. Provide evidence of completion or exemption

from National service (Demobilization & release paper) 2. Present release paper from current/last employer• Address: Please mail your applications to;

Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea (N.B.1.Applicants whose application is already with us need to apply again. 2. Application documents will not be returned back to sender and 3. All applications should be sent through the post offi ce)Deadline for application: 7 days from the day of publication in the Newspaper

Page 8: Haddas Eritrea - June 17, 2009

8ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ጌጋ መናብርቲ ወዲ ሰብ እዩ፣ እንተኾነ ግን ሰባት ብጌግኦም ተኣሪሞም። ውሑስ ዝኾነ ህይወት ዝመርሕሉ ኣገባባት ኣሎ፣ ሓደ ካብኡ ኣብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ዝወሃብ ዝተፈላለየ ትምህርትን ስልጠናን እዩ፣

ኣብ ሃገርና ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርትን ተሃድሶን። ነቶም ገበንን በደልን ፈጺሞም ንኽእረሙ ዝመጹ እሱራት። ጊዜኦም ብኮንቶ ንኸየባኽኑ ሓሊኑ ዝተፈላለየ መኣድታት ትምህርቲ ብምውዳድ። ብኣካዳሚያዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ከምዝረብሑ ንምግባር’ዩ

ዝሰርሕ ዘሎ፣ እቶም እሱራት ብወገኖም። ነቲ ዝተቀረበሎም መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ረብሕኦም ብምውዓል። ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኣብ ምምጻእ ካብ ምጽዓር ኣይተቆጠቡን፣ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ እንታይ እዩ? እቲ ለውጢ ኸ እንታይ ይመስል? ንምግንዛብ ናብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ዘወር ኢልና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ያ ሎሚ ዓምዲ ‘መንእሰይ’ ሒዛትልኩም ቀሪባ ዘላ፣ ሰናይ ንባብ!

ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ብቐንዱ መአረምን ዝተጋገዩ መንእሰያት ናብ ንቡር ህይወት ዝመልስ እዩ፣ እቶም ኣብቲ ቤ/ማ/ተሃድሶን ዝኣትዉ መንእሰያት። ካብቲ ቤ/ማእሰርቲ ክወጹ እንከለዉ። ትምህርትን ሞያን ቀሲሞም እዮም ዝወጹ፣ ገለ መንእሰያት። “ኣብ ቤ/ማእሰርቲ ምስ ኣተኹ’የ ኩነታት ኣተሓሳስባይ ኣበየናይ ጎደና ከም ዝነበረ ዝፈለጥኩ።” ክብሉ እንከለዉ ገለ ድማ ንዝነበሮም ሞያዊ ብቕዓት ዝያዳ ከምዘማዕበልዎ ይዛረቡ፣ ንኣብነት ከም ኮምፒተር። ስረሓት ቆርበት። ሲንጀር። ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን። ስረሓት ካይላ… ወዘተ ከም ዝመለኹ’ዮም ዝዛረቡ፣

መንእሰይ ኣብርሀት እዮብ ትበሃል፣ ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ሓዝሓዝ’ያ ጸኒሓትና፣ ኣብቲ ቤ/ማ/ተሃድሶን። ካብ ዝነበረቶ ግጉይ ኣንፈት። ናብ ዝቀንዐ ኣንፈት ክትሰጋገር ከም ዝበቕዐት ገሊጻ፣ መንእሰይ ኣብርሀት። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን መሰልጠኒ ማእከል ከምዘሎ ትፈልጥ ኣይነበረትን፣ እንተኾነ ግን ዕድል ስልጠና ምስ ረኸበት ብሞያ ማእለማ ክትስልጥን በቒዓ፣ ንሳ። ብጉዳያ ተኣሲራ ክትወጽእ’ምበር። ብሞያ ሰልጢና ክትወጽእ ዝኾነ ግምት ከምዘይነበራ’ያ ሓቢራ፣ መንእሰይ ሃና ዘካርያስ ብወገና። ቤ/ማ/

ተሃድሶን ብቑዕ ጉዕዞ ህይወት ተላልየሉ ቤ/ትምህርቲ ከምዝኾነ መስኪራ፣ ንሳ። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ዝቀሰመቶ ሞያ። ስረሓት ካይላ እዩ፣ ኣቀዲማ ዝኾነ ኣምር ናይ ስረሓት ካይላ ኣይንበራን፣ ኣብዚ ቤ/ማ/ተሃድሶን ምስ ኣተወት ግን ብጥበብ ስርሓት ካይላ ሰልጢና። ክንዮ ፍልጠት ናብራኣ ተመሓይሸሉ ሞይ’ያ ቀሲማ፣ መንእሰይ ሃና። ብዛዕባ

ግዜ ንሰዓቢኡ ወርቂ’ዩእቲ ዝረኸበቶ ባይታ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መብርሂ። ”ቤ/ት/ማ/ተሃድሶ ንዓይ ኮሌጅ እዩ፣ ትምህርቲ ስርሓት ካይላ ኣይኮነን ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ኣብ ከተማ ወጺእካ እውን ብቐሊል ዝርከብ ኣይኮነን፣ ብወገነይ ግን ዝተወሰነለይ ጊዜ እናሕለፍኩ እዚ ዝተጠቕሰ ሞያ ቀሲመ ኣለኹ፣ ብዘይካ’ዚ ዝወሃበና ትምህርቲ። እቲ ኣብ’ዚ ዘሎ ህይወት ዓቢ ተመክሮ እዩ፣ ብዝፈጸምኩዎ ጌጋ

ተኣሪመ ምስ ወጻእኩ ንሰባት ክመክርን ክምህርን ዘኽእል ተመክሮ ቀሲመ እየ፣” ብምባል መንእሰያት ዘለዎም ዕድመ ኣብ ግምት የእትዮም ጊዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ክትመክር እንከላ። ዋጋ ጊዜ ብግቡእ ዘለለየትሉ። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ከም ዝኾነ ከይጠቐሰት ኣይሓለፈትን፣ ዋላ እኳ ‘ቲ ቤ/ትምህርቲ ኣብ

ቤ/ማእሰርቲ ዝተደኮነ እንተኾነ። ኣብ እሱራት ዘበርክቶ ብቕዓት ትምህርትን ስልጠናን ግን ዝምስገን እዩ፣ ኣብ ሰምበል ብዙሕ መደባት ትምህርትን ስልጠናን ተዓዚብና፣ እቶም ዝጸንሑ ተማሃሮ እውን እሱራት እዮም ክትብሎም ኣይትደፍርን፣ ኣካዳሚ ዝመሃሩ። ሞያዊ ስረሓት ዝስልጥኑ። ኮምፒተር ሒዞም ዝመራመሩ። ኣብ’ቲ እዋናዊ መጻሕፍቲ ዝተደርደሮ ቤት ንባብ ዘጽንዑን ክንርኢ ኪኢልና፣ በዚ ድማ ነታ ኣብ ሓዝሓዝ ዝረኸብናያ መንእሰይ ሃና ዝበለታ “ኮሌጅ’ያ” ትብል ሓጻር ሓረግ። ብግብሪ ተዓዚብናያ፣ ኣብ ሰምበል ዘሎ መንእሰይ ማዕረግ

ኪዳነ ተጠቃሚ ጸጋታት ቤ/ማ/ተሃድሶን ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ እዩ፣ ንሱ ንዘጋጠሞ ኣመልኪቱ። “ከም እሱር ምስ መጻእካ እቲ ዝጸንሓካ ኣጋጣሚ ካልእ እዩ፣ ነዚ ቤ/ማ/ተሃድሶን። ብስነ-ኣእምሮ ከም ቤ/ማእሰርቲ ወሲድካ። ንነብስኻ ከም እሱር ርኢኻ። ካብ’ቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብገዛእ - ርእስኻ እንተተገልጊልካ ኢኻ። ከም እሱር ትቑጸር፣ ነቲ ዝወሃብ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ብግቡእ እንተተጠቂምካሉ ግን እሱር ዘይኮንካ ተማሃራይ ኮሌጅ ኢኻ፣ እቲ ቤ/ማ/ተሃድሶን ድማ ቤ/ማእሰርቲ ዘይኮነ። ቤ/ትምህርቲ እዩ፣” ድሕሪ ምባሉ ንሱ ዝረኸቦ መኽሰብ ተሓቲቱ ኣብ ዝገለጸሉ። “ብወገነይ ናብዚ ቤ/ማእሰርቲ ክመጽእ እንከለኹ ሞያ ናይ ኣካውንትንን ኮምፒተርን ሒዘ’የ መጺአ፣ ኣብዚ ድማ እቲ ዝለዓለ ነቲ ዝተሓተ ክምህሮ ዝብል መትከል ስለ ዘሎ። ንልዕሊ ታሽዓይ ክፍሊ ይምህር ኣለኹ፣ ረብሓይ። ሓደ ፍልጠተይ ንመንእሰያት የካፍል ሰለ ዘለኹ ሕልናዊ ዕግበት ይረክብ፣ ተወሳኺ ረብሓይ ድማ። ክትምህር እንተኾንካ መጻሕፍቲ ክትውከስ ስለ ትግደድ። ልዕሊ ዝኾነ ግዜ የንብብ ኣለኹ፣ ስለዚ ካብ ምንባብ ዝዓቢ ረብሓ የለን፣” ብምባል ጊዜ ማእሰርቱ

ኣብ ረብሕኡን ረብሓ መንእሰያትን የውዕሎ ከምዘሎ ኣብሪሁ፣

ብስም ጥራይ ኮምፒተር ዝፈልጣ ዝነበረ መንእሰይ ዓብዱራሕማን እድሪስ ዝተባህለ እዩ፣ ንሱ። ኣብዚ ቤ/ማ/ተሃድሶን ምስ ኣተወ። ስሩዕ ትምህርቲ ኮምፒተር ይቐስም ከምዘሎ ሓቢሩ፣ ስልጠና ኮምፒተር ምስ ወድአ እውን ሕሳብ (ኣካውንትን) ክመሃር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ፣

እዚ ቤ/ማ/ ተሃድሶን ልክዕ ከም ኮለጅ’ዩ ንመንእሰያት ዝኹስኩስ ንዝብል ኣዘራርባ። መንእሰይ ዓብዱራሕማን ርእይትኡ ክህበሉ ተወኪስናዮ ኔይርና፣ ንሱ። “ብዝፈጸምካዮ ገበን ይኹን በደል ተጣዒስካ። ነቲ ኣሉታዊ ተግባርካ ገዲፍካ። ብኣወንታ ተመሪሕካ ነብስኻ ትሓተሉን ትምህርቲ ቀሲምካ ምኽሪ ተዋህልለሉን። እዚ ቦታ እዩ፣ ምኽንያቱ። ኣነ ትምህርቲ ከይወዳእኩ’የ ናብዚ መጺአ፣ ኣብዚ ምስ ኣተኹ ግን ትምህርቲ ዝዛዝመሉ ባይታ ረኺበ ኣለኹ፣ ሞያ ድማ ይቐስም ኣለኹ፣ ብዓቢኡ ድማ ብተግባረይ ተማሂረ ንኻልኦት መንእሰያት ኣብነት ክኸውን ድሉው ኮይነ ኣለኹ፣” ብምባል ብሓቂ ኮለጅ ከምዝኾነ ሓቢሩ፣

ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ። ካብ ምጥፋእ መሃይምነት ሓሊፉ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 11 ክፍሊ’ዩ ዘምህር፣ ባይታ ትምህርቲ ዘይነበሮም ወይ ተገዳስነት ኣብ ትምህርቲ ዘይጸንሖም ብማዕረ ትምህርቲ ዝቐስምሉ መኣዲ ብምድላው’ዩ ኣንፈት መንእሰያት ዘመዓራሪ ዘሎ፣

ናብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ዝመጹ መንእሰያት ትምህርቲ ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ። ከመይ ይቕበልዎ ንዝብል ሕቶ ንርእሰ መምህር ‘ቲ ቤ/ትምህርቲ መም/ በርሀ ዑቕባዝጊ ተወኪስናዮ ኔይርና፣ንሱ።-“እዚ ንመንእሰያት ዓቢ ዕድል እዩ፣

ምኽንያቱ። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ኮንካ ቤ/ትምህርቲ ብዙሕ ትጽበዮ ኣይኮነን፣ እቶም መንእሰያት ግን ብሕሉፍ ግዜኦም እናተጣዓሱ። በዚ ኣብዚ ዝጸንሖም ባይታ ንኽድበሱ ነቲ ትምህርቲ ብግቡእ’ዮም ዝከታተልዎ ዘለዉ፣ ትምህርቲ ኣብዚ ጀሚሮም። ኣብዚ ዝወድኡ ውሑዳት ኣይኮኑን፣ እዞም ኣብዚ ዝወድኡ’ዮም መማህራን ዝኾኑ፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ፍርዶም ወዲኦም ዝወጹ ኣለዉ፣ ዝምህሩ ዘለዉ እውን ኣለዉና፣ ስለዚ። እቶም መንእሰያት ነዚ ኣብዚ ዝጸንሖም ባይታ ከም ፍሉይ ህያብ’ዮም ዝርእይዎ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን፣” ኢሉ፣

እቲ ቤ/ትምህርቲ ዕጥቁ ከም ዝኾነ ካልእ ቤ/ትምህርቲ ሃገርና እዩ፣ ህንጻዊ ስረሓቱ። ውሽጣዊ ናውቱ። ቤት ንባቡ። ክፍሊ ኮምፒተርን ካልእን ተዓዚብካ ድማ ትምሰጥ፣ ልዕሊ ዝኾነ ድማ ኣእምርኦም ኣሐዲሶም። ነዚ ዝተጠቅሰ ጸጋታት ብግቡእ ክጥቀምሉ ምዕዛብ ባህታ ይፈጥረልካ፣ መምህር በርሀ ወሲኹ ካብ ዝሓበሮ። ኣብቲ ቤ/ማ/ተሃድሶን። ብደገ ቤ/ትምህርቲ ከምዘሎ ዝፈልጥ ሰብ ከምቲ ዝድለ ከምዘይነበረ። ድሒሩ ግን ብሚኒስትሪ ዜና መደብ ምስ ተሰራሓሉ። እቲ ዝበዝሐ ናብኡ ዝመጽእ መንእሰይ ምስ ኣፍልጥኡ ስለ ዝመጽእ። ንኽመሃር ከምዝሓቶም ጠቂሱ፣ ክመሃር ዝደለየ ዝሕተቶ እንተሃልዩ። ደረጅኡ ንምፍላጥ ኣቀዲሙ ዝተማህሮ ደረጃ ትምህርቲ ዝገልጽ ሰነድ ጥራይ ከምዝሕተት እውን መምህር በርሀ ገሊጹ፣

ቤ/ትምህርቲ ካብ ሃለወ። ተማሃሮ እውን ካብ ተሳተፍዎ ውጽኢት ደረጃ ተማሃሮ ኣብ ምንታይ ይርከብ? ዝብል

ሕቶ ኢና ንርእሰ መምህር። መም/ በርሀ ኣስዒብና ዝተወከስናዮ፣ ንሱ።- “ውጽኢት ተማሃሮ ኣዝዩ ዘሓጉስን ዘሐብንን እዩ፣ ንኽትሰርሕ እውን ዘተባብዕ ውጽኢት ኢኻ ትርኢ፣” ድሕሪ ምባሉ ብስነ ምምህርና ዝሰልጠኑ መማህራን ከምቲ ዝድለ እኳ እተዘየለዉ በቶም ደረጃ ትምህርቶም ክብ ዝበለ እሱራት ዝበዝሐ ከምዝዕመም ኣብሪሁ፣

መንእሰይ ማሕሙድ ኢብራሂም ሓደ ካብ’ቶም። ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምምህርና ተጸሚዶም ዝጸንሑና መንእሰያት ሓደ እዩ፣ ንሱ። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ትምህርቲ ክጸንሖ ዝኾነ ሓሳብ ወይ ግምት ከምዘይነበሮ’ዩ ገሊጹ፣ ሒዝዎ ዝኣተወ ሓሳብ። ንዝተወሰነሉ ናይ ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝኾነ እሱር ወዲኡ። ብዝኸሰሮ ግዜ ጓሂ ሰኒቁ ክወጽእ ከምዝነበረ ግምቱ ሓቢሩ፣ እንተኾነ ግምትን ክውንነትን በበይኑ ጸኒሕዎ፣ እቲ ቤ/ማእሰርቲ ዋላ እኳ ካብ መቅርብ ቤተሰቡ ይፈላልዮ ብግጉይ ተግባሩ ስለ ዝኾነ። ብዝተኣሰሮ ከየማረረ ነቲ ዝጸንሖ ጸጋታት ክምዝምዝ ሓሊኑ፣

መንእሰይ ማሕሙድ። ማሃይምነት ከየጥፍአ’ዩ። ትምህርቲ ዝጀመረ፣ ነዚ ሰረት ትምህርቲ ዘይጸንሖ ኣእምሮ። ዱልዱል ሰረት ንኽስርተሉ ‘ሀ’ ኢሉ ትምህርቲ ተትሓሓዞ፣ ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ ክትጅምሮ እንኮለኻ ሞ ብዘይ ቋንቋ ኣደ ክኸብድ ባህርያዊ እዩ፣ እዚ ፈተነ ንማሕሙድ እውን ኣይነሓፎን፣ ንዝተወሰነ ጊዜ ከቢድዎ ከምዝነበረ’ዩ ዝዛረብ፣ ንሱ።- ብዘይካ ‘ቲ ብውልቁ

ዝሓለፎ ብድሆ ትምህርቲ። ነቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ጸገማት ከይገለጾ ኣይሰገረን፣ ኣነ ኣብ’ግዜ ቤ/ማ/ ተሃድሶ ሰምበል ክመጽእ እንከለኹ ሽዑ። ኮፍ መበሊ ሰደቓታት ኣይነበረን፣ ኣብ እምኒ ኢና ኮፍ ንብል ኔይርና፣ ብቑዓት መማህራን ከምቲ ዝድለ ኣይነበሩ፣ እቶም ዝነበሩ እውን ዋሕዲ ኔይርዎም፣ እኹል መጻሕፍቲ ወይ መምሃሪ ጥረ ነገራት ኣይነበረን፣ እዚ ሕቶ’ዚ ግን ከምቲ ዝኾነ ምዕባለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተማሕየሸ ዝመጽእ ዘሎ። ምዕባለ’ዚ ትምህርቲ እውን ብዝተዓጻጸፈ ተማሓይሹ ክሳብ ኮምፒተራት ክዓጥቕ ጀሚሩ ኣሎ፣” ኢሉ፣

እወ። ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ። ብዝተፈላለየ ዓውድታት ንብዙሓት መንእሰያት ፍልጠትን ንቕሓትን ኣሐንጊጡ ካብ ዘፋኑ ውሑድ ኣይገበረን፣ እቶም ጸጋታቱ ዝተቋደሱ መንእሰያት ካብ ሕሉፍ ጌጋታቶም ተኣሪሞም። ብባህሪኦም ተሃዲሶም በርዑት ቁምነገር ዝተጸምዱ ኣለዉ፣ ሓደ ካብኦም መንእሰይ ማሕሙድ እዩ፣ መንእሰይ ማሕሙድ ንዝረኣናዮ ዝገጠሞ ብድሆታት ፈንጢሱ። ክሳብ 11 ክፍሊ። ኣብዚ ቤ/ማ/ተሃድሶን ተማሂሩ፣

ነታ ኮስኪሳ ብፍልጠት ትምህርቲ ምስ ዓለም ዘላለየቶ ቤ/ማ/ተሃድሶን ሰምበል። ክሳብ ዕለተ ፍርዱ ዝውድእ ብሕልና ክኽሕሳ ስለ ዝነቀለ። ኣብታ ቤ/ማ/ተሃድሶን ከም መምህር ኮይኑ ስራሕ ካብ ዝፍልም ድሮ ሳልሳይ ዓመት ሒዙ ኣሎ፣ ዝረኽቦ ረብሓ ከም ኩሎም ብጾቱ ዕግበት ጥራይ እዩ፣ ምኽንያቱ። እቶም ካብ 1ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ዝመሃርዎ ብዘይካ ሕልናዊ ዕግበት’ምበር ካልእ ረብሓ ስለ ዘይነበሮም፣ እታ ዘምሃረቶ ቤ/ማ/ተሃድሶም እውን ንሱ ክመሃር እንኮሎ ብዘይካ ድሌት ካልእ ዝሓተተቶ ስለ ዘየለ፣ መንእሰይ ማሕሙድ ግን ተወሳኺ ረብሓ ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ፣ ንሱ። “ዝፈልጡኒ ሰባት ተኣሲረ’ምበር ኣብ ቤ/ማእሰርቲ ትምህርተይ ወዲአ ክወጽእ ኣይጽበዩንን እዮም፣ እዚ ጽባሕ ንግሆ ክወጽእ እንኮለኹ ንህይወተይ ተኣምር እዩ፣ ምኽንያቱ። ዓለማዊን ሃገራዊን ቋንቋን ተማሂረ። ባህል ልምድን ሃገረይ ፈሊጠ። ትርጉም ስነ ምግባርን ክብርታትን ኣጽኒዐ። ሃገራውነት ፈሊጠ። ኮታ ምሉእ ሰብ ኮይነ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኮይኑ ኣይስመዓኒን፣ ብተወሳኺ። ንኸማይ መንእሰያት ብሕልናይ ፍልጠት ከካፍል ባይታ ብምርካበይ ዓቢ ረብሓ እዩ፣” ድሕሪ ምባሉ። ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ዘሎ ትምህርቲ ምስ ካልእ ቤ/ትምህርቲ ዝፈልዮ እንታይ’ዩ? ንዝብል። እቲ ኣብ ክፍሊ ዘይተረድኦ ኣብ ዝደለዮ ሰዓት ንመምህሩ ሓቲቱ ክርዳእ ይኽእል፣ ምኽንያቱ። መምህርን ተማሃራይን 24 ሰዓት ብሓደ ስለ ዘለዉ፣ ብዘይካዚ ካልእ ዝፈልዮ እንተሃልዩ። እቲ ክመሃር ዝደሊ ድሌት’ምበር ካልእ ኩሉ ብመንግስቲ’ዩ ዝሽፈን ብምባል ኣብርሁ፣

መንእሰይ ማሕሙድ ንመንእሰያት። ከምዚ ክብል መዛዘሚ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ፣ “እዚ ጸጋታት ኣብ ቤ/ማእሰርቲ ረኺብናዮ ኢልና ክንዛረብ እንኮለና። ንትርጉም ማእሰርቲ ጎሲና ከምዘይኮና ርዱእ እዩ፣ ምኽንያቱ። ማእሰርቲ ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ ተኣሪምካ። ንዝተወሰነልካ ግዜ ማእሰርቲ ክሳብ ወዲእካ ትወጽእ። ካብ ትፈትዎም ስድራቤትካ። ፈተውትኻ። ካብ ካልእ ዝተፈላለየ ነገራት ተሓሪምካ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ፣ ስለዚ ንቤት ማእሰርቲ ዝትምነ ሰብ ክህሉ ዝኽእል የለን፣ መንእሰያት ካብ ጌጋ ተቆጢቦም። ብስነ ምግባር ተማእዚዞም ግዜኦም ኣብ ቁምነገር ከሕልፍዎ ይላቦ፣ ምኽንያቱ። ኣነ ይኹን ካልኦት ብጾተይ ኣብዚ ዘለዉ። ቅድሚ ምእሳርና ግዜና ብግቡእ ብዘይምጥቃምና ክንመሃሮ ዝግባኣና ግዜ ኣብ ዘይተደለየ ስለ ዘሕለፍናዮ ካብ ፍልጠት ተሓሪምና ኔይርና፣ ብዓቢኡ ድማ ንቕሓት ስለ ዘይነበረና ገበን ክንፍጽም ኪኢልና፣ ስለዚ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት የእትዮም ካብ ሕጊ ወጻኢ ተግባር ንኸይፍጽሙ ይመክር፣” ብምባል ትርጉም ግዜ ኣብ ቤ/ማ/ተሃድሶን ከምዝተማሃሮ ገሊጹ፣

***

Page 9: Haddas Eritrea - June 17, 2009

9ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ኣነቓቓሕቲ ዛንታታት

ጽብቕቲ ልቢ

ሓደ ጎበዝ ኣብ ማእከል እኩብ ህዝቢ ኰይኑ ካብ መላእ እቲ ኣኽራናት ናቱ ልቢ ዝጸበቐት ምዃና ተዛረበ፣ ኵሎም ከቢቦም ነታ ምልእቲ ዝዀነት ልቡ ብምዕዛብ ኣድናቖቶም ገለጹ፣ ዝዀነ ሕንጻጽ ይኹን ትንኳዕ የብላን፣ ካብ’ተን ዝርኣዪወን ልብታታት እታ ዝጸበቐት ምዃና ከኣ መስከሩ፣ እቲ ጎበዝ ብእምብዛ ኵርዓት ተደሪኹ ዓው ብምባል ብዛዕባታ ጽብቕቲ ልቡ ተናገረ፣ ሃንደበት ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ካብ’ቶም እኩባት ሰባት፤ “እንታይ ኰይና እባ ልብኻ ብጽባቐኣ ጥቓ ናተይ ዘይትቐርብ?” በሎ፣ እቶም ሰባትን እቲ ጎበዝን ናብ ልቢ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ጠመቱ፣ እታ ልቢ ጽቡቕ’ያ ዲጕ ዲጕ ትብል ነይራ፣ ብዙሕ ጭንዳሓትን ትንኳዓትን ግን ነይሩዋ፣ ካብኣ ተመቲሩ ዝወጽአን ካብ ካልእ ዝተመልአን ቦታታት ድማ ኣሎዋ፣ ግናኸ ብልክዕ ኣትዩ ስጥም ዝበለ ኣይኰነን፣ እቲ ጫፉ ኵርናዓት ኣሎዎ፣ አረ ኣብ ገለ ቦታታትስ ተጠቢሑ ወጺኡ ዘይተተክአ ከፋት ቀዳዳት ኣሎ፣

እቶም ሰባት፤ “ናይ’ዚ ሽማግለ ሰብኣይ ከመይ ገይራ ካብ’ዚ ናይ’ዚ ጎበዝ ትዓቢ” እናበሉ ብምሕሳብ ቀው ኢሎም ይጥምቱ ነበሩ፣ እቲ ጎበዝ ከኣ ነታ ልቢ ናይቲ ሽማግለ ሰብኣይ ርእዩ፤ “ትቕልድ ክትህሉ ኣሎካ!” ብምባል ስሓቐ፣ “ናተይ ምስ ናትካ ክትወዳደር እንከላ ምልእቲ እያ፣ ናትካ ግን ማእለያ ዘይብሉ በሰላታትን ጭንዳሓትን ኣሎዋ” መልአ፣“እወ” በለ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ፤

“ንዓይንኻ ናትካ ምልእቲ እያ፣ ይኹን’ምበር ምስ ናትካ ኣይላወጣን’የ፣ ነፍሲ-ወከፍ ጭንዳሕ ወይ በሰላ ምልክት ንሰብ ዝለገስኩዋ ፍቕሪ እያ፣ ካብኣ ንእሽቶ ጠቢሐ ይህቦም፣ ንሶም ድማ ናብታ ናተይ እትመልእ ካብ’ታ ናቶም ይህቡኒ፣ ልክዕ ስለ ዘይገጥም ግን ኵርናዓት ዘሎዋ ጫፋት ይኸውን፣ ናይቲ ዝተለጋገስናዮ ፍቕሪ ምስከርነት ስለ ዝዀነ ግን ይሕጐሰሉ እየ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ካብ ልበይ ገሚዐ ምስ ሃብኩዎም ካብ’ቲ ናቶም ግን ዘይህቡኒ ኣሎው፣ ካብዚ’ዩ ከኣ እዚ ከፋት ቦታታት - ፍቕሪ ምሃብ ዕድል ምርካብ’ዩ፣ ዋላ’ኳ እዚ ነዃል ቦታታት ቃንዛ ዘሎዎ እንተዀነ። ንሰባት ዝሃብኩዎ ፍቕሪ ስለ ዘዘኻኽረኒ ክፉታት ሓዲገዮም ኣለኹ፣ ሓደ መዓልቲ መሊሶም ክመልኡዎ ከኣ ብተስፋ

ሓደ እዋን ንእሽቶ እንቍርዖብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓሚቝ ዒላ ይነብር ነበረ፣ እቲ ዒላ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ኰይኑ ቍሩብ ማይ ኣብ ሕቝፎኡ ዝሓዘ እዩ፣ እቲ እንቍርዖብ ክጸምእ እንከሎ ካብኡ ይሰቲ። ክጠሚ እንከሎ ሓሳዅ ይበልዕ። ድቃስ ምስ መጽኦ ድማ ኣብ ከብዲ’ቲ ዒላ ዝርከብ ከውሒ ይድቅስ’ሞ። ጥንቅልዒት ኰይኑ ንሰማይ ገጹ ይጥምት፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ደበና ክሓልፍ ምስ ተዓዘበ እምብዛ ይሕጐስን ይዓግብን፣

ካብ ንእሽቶኡ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ እዛ ዒላ ስለ ዝዓበየ ነቲ ናይ ግዳም ዓለም ኣይፈልጦን’ዩ፣ ኣዕዋፍ ናብዝን ናብትን ክብላ ጸኒሐን ኣብ ደንደስ እቲ ዒላ ከዕርፋ እንከለዋ፤ “ሰላማት! ናብዚ መጺእክን ግዳ ምሳይ ዘይትጻወታ?! ኣብዚ ታሕቲ እምብዛ ደስ ዘብልን ዘደስትን እዩ፣ ርኣያ እሞ - ዝስተ ዝሑል ማይን ዝብልዑ ማእለያ ዘይብሎም ሓሳዅን እንሄው! ንዕነ ናብዚ! ኣብ ግዜ ምሸት ምሊሕ ምሊሕ ዝብሉ ከዋኽብቲ ክርኢ ይኽእል እየ፣ ሓደ-ሓደ እዋን’ውን እታ ጽብቕቲ ወርሒ ሕልፍ ክትብል እንከላ ይዕዘባ እየ” ይብለን፣“ኣየ እንቍርዖብ! እዚ ካብዚ

ዒላኻ ወጻኢ ዘሎ ዓለም። ዝዓበየን ዝጸበቐን እዩ፣ ካብዛ ንእሽቶ ዒላኻ ብዕጽፊታት ይጽብቕን ይበልጽን” - ብምባል እተን ኣዕዋፍ ይምልሳሉ፣ እቲ እንቍርዖብ ግን ይኣምነን ኣይነበረን፤ “ኣይትሓስዋ! ካብዚ ዝጽብቕ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ” ይብለን፣ በብ ቝሩብ እተን ኣዕዋፍ ኣሰልካዪ እዩ ብምባል ክጸልእኦን ምስኡ ምዕላል ክሓድግኦን ጀመራ፣ እቲ ንእሽቶ እንቍርዖብ ግን ናብ ዒላኡ እንታይ ኰይነን ምምጻእ ከም ዝገደፎኦ ክርድኦ ኣይከኣለን፣

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ብጫ ዑፍ ኣብታ ዝቕመጠላ ዒላ ዓለበት፣ እቲ ንእሽቶ ዕንቍርዖብ ብምምጻኣ እምብዛ ተሓጐሰ’ሞ፤ “ሰላማት ብጫ ዑፍ ከመይ ኣሎኺ? በጃኺ እባ ናብዛ ዝጸበቐት ገዛይ ምጽኢ”

ክብል ብዅቱር ህንጡይነት ሓተታ፣ እታ ዑፍ ዝዀነ ቃል ከይተዛረበት ነፊራ ተዓዝረት፣ ኣብታ ዝሰዓበት መዓልቲ ካልእ ብጫ ዑፍ ዓለበት፣ ግና ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ተፈጥረ፣ ብኸምዚ ሽዱሽተ መዓልቲ ሓለፈ፣ ኣብታ ሻውዓይቲ መዓልቲ ግን፤ “ዝኸበርካ እንቍርዖብ! እቲ ናይ ደገ ዓለምዶ ከርእየካ?” ክትብል ሓንቲ ብጫ ዑፍ ሓተተቶ፣ ነቲ ዕድመ ኣይተቐበሎን፣ እኳ ድኣ ነጸጎ፣

ኣብ መወዳእታ እታ ብጫ ዑፍ ኣዝያ ሓረቐት እሞ። ንታሕቲ ብምንቋት ካብ ታሕቲ እቲ ዒላ ብዝባኑ ሒዛ ናብ ደገ ኣውጽኣቶ፣“ዎው!” ብምባል ተደነቐ፤

“ክንደይ ክዓቢ ድኣ’ዩ?” - ተገረመ፣ ኣብቲ ጽልምት ዝበለ ዒላ ይነብር ስለ ዝነበረ እቲ ጩራታት ጽሓይ ንኣዒንቱ በርትዖ፣ ተጻጊሙ ኣዒንቱ ከፈተ’ሞ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሓያሎ ነገራት ርኣየ፣ “ስምዒ! ከይትሓብኣለይ እዚ ኵሉ በረኽቲን ኣብዚ ታሕቲ ዘሎን እንታይ እዩ?” ክብል ሓተታ፣ እታ ዑፍ ከኣ እናሰሓቐት፤ “እዚ ጎቦታትን ስንጩሮታትን እዩ፣ ኣብዚ

ዓለም። ቍጽሪ ዘይብሉ ጎቦታት’ዩ ዘሎ” ብምባል መለሰሉ፣

እቲ ንእሽቶ እንቍርዖም ገዘፍቲ ጎቦታት ኣብዚ ዓለም ብዙሓት ምዃኖም ክኣምን ጸገሞ፣ ናብቲ ጎቦ ሒዛቶ ምስ ነፈረት በቲ ዝርኣዮ መሊሱ ተገረመ፣“እዚ ዘንጸባርቕ ዘሎ ሕብሪ

ወርሒ ዝመስል እንታይ’ዩ?”“ወሓዚ እዩ”“እዚ ሰፊሕ ሰማያዊ ነገር ኣብቲ

ዘሎኸ እንታይ’ዩ?”“ንሱ ድማ ባሕሪ ይበሃል”“እዚ ወሓዚን እቲ ባሕርን

ክንደይ ዝኸውን ማይ ኣሎዎ? ካብታ ዒላይ ብኽንደይ ዕጽፊ ኮን ይዓቢ ይኸውን? ቢልዮናት ዕጽፊ ይሕዝ ይኸውን’ምበር!” ብምባል ተገረመ፣ እታ ዒላኡ ክሳብ ክንደይ ንእሽቶ ምዃና ከኣ ተረድአ፣ እታ ዑፍ ሒዛቶ ናብቲ ጎላጉል ወሪዳ ሓዲጋቶ ነፈረት፣

እቲ ዕንቁርዖብ ነጢሩ ናብቲ ሳዕሪ ኣተወ’ሞ። ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ውቁብ ዕምበባታት ተዓዘበ፣ ከምዚ ምጽባቑ ዕምበባታት ርእዩን ሸቲቱን ኣይፈልጥን’ዩ፣ ብተመስጦ ከኣ መገዱ ኣብቲ ጫካ ቀጸለ፣ ኣዝዮም ቆማታት ኣግራብ ረኸበ፣ በሲሎም ኣብ መሬት ዝነጠቡ በበይኖም ዝዓይነቶም ፍሩታታት ረኺቡ ድማ ከብዱ መልአ፣ ጸኒሑ’ውን ምዑዝ መዝሙር ኣዕዋፍ ኣዳመጸ፣ ኣህባይ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ይነጥሩ። ጤለበዱ ድማ ብፍጥነት ይዕንድራ ነበራ፣ ኣብቲ ደንደስ ቀላይ። ዕምበባታት በቲ ንፋስ ተደሪኸን ይወዛወዛ። ገለ ሕብራውያን ኣቝጽልቲ ድማ ኣብቲ ማይ ልክዕ ከም ጽላል ሰለል ይብላ ነበራ፣“ውውውው…! እዚ ዓለም’ዚ

ኣዝዩ ሰፊሕ። ጽቡቕን ደስ ዘብልን’ዩ” እናበለ ብሓጐስ ዘለለን ወጨጨን፣ ነቲ ሓድሽ ህይወቱ ከኣ ልቡ ኣጥፊኡ የስተማቕሮ ነበረ፣ እታ ብጫ ዑፍ ተመሊሳ፤ “ከመይ ረኺብካዮ? ዓቢን ጽቡቕንዶ?” በለቶ፣“እምብዛ’የ ዘመስግነኪ፣

እንተዘይተምጽእኒ ነይርኪ ካብ ዒላይ ወጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕን ግሩምን ትርኢት ከም ዘሎ ኣይምፈለጥኩን ነይረ” ብምባል ምስጋናኡ ገለጸላ፣

ምንጪ። Tibetan Folk Tales.htm

ንእሽቶ እንቍርዖብ ኣብ ንእሽቶ ዒላ

ኩሉ ግዜ ቀዳም ንግሆ, ኣነን ስድራይን ካብ ዓራት ከይተሳእና ነርፍድ ኢና፣ ክልተ ደቀይ ናብ ዓራትና ይድይቡ እሞ። ናይ ደርፊ ቪድዮታት ንርኢ፣

ሓደ ቀዳም ንግሆ ከም ልማድና ኩልና ተኣኪብና ከለና። “ናይ መወዳእታ መዓልትኻ እንተትኸውን?” እትብል ደርፊ መጽአት እሞ። ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ኢለ ሓሰብኩ፣ ንበዓል ቤተይ ከኣ “ሎሚ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ እንተትኸውን እንታይ ምገበርካ?” ኢለ ሓተትክዎ፣

ቍሩብ ድሕሪ ምሕሳብ። “ምሉእ መዓልቲ ከምዛ ሕጂ ዘለናያ ምስ ዝፈትዎም ሰባት። ዝተረፈኒ ግዜ መስተማቐርክዎ” በለኒ፣

ናብ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ ምልስ ኢለ። እንታይ ምገበርካ በልኩዎ። ንሱ ከኣ ናብ ዎንደርላንድ ናይ ካናዳ ምኸድኩ እሞ ምሉእ መዓልቲ ክጻወት

ካብ ወዲ 6 ዓመት ወደይ ዝተማሃርኩዎ

እጽበ ኣለኹ፣ እቲ ቅኑዕ ጽባቐ ኣየናይ ምዃኑ ርኢኻዶ?” በሎ፣

እቲ ጎበዝ ብመዓጉርቱ ንብዓት ኮረር እናበለ ተዓዚሙ ደው በለ፣ ናብቲ ሽማግለ ሰብኣይ ቀሪቡ ካብታ ልቡ ገለ ክፋል ኣውጺኡ ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ ኣቐበሎ - ኣእዳው እናንፈጥፈጠ፣ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ ካብ ናቱ ብምውጻእ ኣብታ ዝተፈጥረት ከፋት ኣግጠማ፣ ነታ ናቱ ድማ ኣብ ልቢ እቲ ጎበዝ ኣእተዋ፣ ገጢማ ግና ኵርናዕ ምግባራ ኣይተረፈን፣ እቲ ጎበዝ ንልቡ ርኣያ፣ ምልእቲ ኣይኰነትን፣ ፍቕሪ ካብ ልቢ እቲ ሰብኣይ ስለ ዝወሓዛ ግና ካብቲ ዝነበረቶ ዝያዳ እትጽብቕ ኰነት፣ ተተሓሒዞም ጐድኒ ንጐድኒ እናሰጐሙ ተተሓሒዞም ብፍትወት ከዱ፣

ኣብ ህይወት እትህብን እትቕበልን ልቢ ሒዝካ ምኻድ ክንደይ ባህ ከብል!

ነዚ ኵሉ ሳዕ ዘክሮ፦ገንዘብ ከም ዘየድልየካ ኰንካ ዕየ

ወይ ስራሕፈጺምካ ተጐዲእካ ከም ዘይትፈልጥ

ኰንካ ኣፍቅርዝዀነ ሰብ ከም ዘይርእየካ ዘሎ

ኰንካ ሳዕስዕ፣

ምወዓልኩ በለኒ፣ናብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት

ወደይ እናጠመትኩ። ንስኻ’ኽ እንታይ ምገበርካ በልኩዎ፣ ኣተኲሩ ጠመተኒ እሞ። “ንክነብር ናይ መወዳእታ መዓልተይ ዲዩ” ክብል ሓተተኒ። “እወ” በልኩዎ፣“ናብ ሆስፒታል ምኸድኩ

ነይረ”ናይ ወድና መልሲ ንዓይን

ንበዓል-ቤተይን። ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ክምልሶ ዝግባእ ንጹህን። መስሓቕን መልሲ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበራ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ከተሓሳስበኒ ጀመረ፣

ካብቲ ልሙድ ኣጠማምታ ወጺኡ እዩ ሓሲቡ፣ ስለ ዝተባህሎ ነቲ ኵነታትን ፍጻመን ኣይተቐበሎን፣ ኣብ ኣእምሮኡ ንምንታይ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምዃና ምኽንያት የብሉን፣ ክውን ከይከውን ንምርግጋጽ

ከኣ መገዲ ክደሊ ነይሩዎ፣ ናይ መወዳእታ መዓልቱ ዘይምዃና ንምውሓስ ድማ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ክድሕነሉ ዝኽእል መፍትሒ ኣምጺኡ፣ እዚ ጥራይ ዘይኰነ’ውን ሓላፍነትን ኣድላዪ ስጕምትን ክወስድ እዩ፣

ወደይ ዝመሃረኒ። ክትነብር እንተደሊኻ ተግባራዊ ዝዀነሉ መገዲ ከተናዲ ከም ዘሎካ እዩ፣ ኢድካ ኣይትሃብ፣ ንነገራት ከምቲ ዝመስልዎ ውሁባት ከም ዝዀኑ ገይርካ ኣይትርኣዮም፣ ስለ ዝተዋሃቡኻ ጥራይ ከም ንቡራት ገይርካ ኣይቀበሎም፣ እኳ ድኣ ነቲ ኣጋጣሚ ናብ ናትካ ጥቕሚ ከተውዕሎ ጸዓር፣ ሓላፍነት ውሰደሉን ንምልዋጡ ወስንን - ከምዚ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ፣

ኒኮል ኮፒን

Page 10: Haddas Eritrea - June 17, 2009

10ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

ተስፋኣለም ኪዳነ

ደብዳበ ፍቕሪ

ናፍቖት ዝበንን እቲ ልቢ ዝጾሮ ምስ ዝግሃድ’ዩ

ናብ= ኢልያት ህቦብላ ትዝታ በርቲዕዎ። ብማዕበል ኣስተንትኖ ዝጠሓለ

ኣእምሮይ እዛ ደቒቕ ክትመጾ ብዙሕ ተጻዒሩ፣ ከመይ ዋሕዚ- ውቃበ ኩለንትናኺ መንፈሰይ ኣዕለቕሊቑ። ሕዙእ ዝኽርታተይ ብኣኺ ተጎቢኡ። በዓል ጎደሎ ህዋስ ኮይነ። ልሳነይ ምስትምቓር ስለዘህጠመ፣ ኣምዑተይ ዝቕበሎ ስኢኑ ይሕመስ፣ ነድሩ ከቃልል ብዙሕ ሃቂነን ፈቲነን፣ ኪንዮ ሃልኪ ግን ዝጨበጥክዎ ኣይነበረን፣ ሓደ ነገር ተገንዚበ ሸውሃት ጎረሮይ ጽግዕተኛ ኣእምሮይ ምዃኑ፣ ስለዝኾነ’የ ባብ ኣእምሮይ ክርሖ። ብኣፍ እዛ ብርዒ ድማ ቃጸሎ ስምዒተይ ክተፍኦ ዝተገደድኩ፣ ኤሊ ውህደት ኩሉ ጽባቐኺ እቲ ልዕሊ ልዑላን ጥበብ ዘመስከረሉ

እዩ፣ ባእታታት ጽባቐ ኩሉ ተላቢስክዮ፣ ትንኳዕ ኣበር ኣይርከበክን፣ ግርማኺ ኪንዮ ማራኽነት። ተኣምር ናይ ባህሪ የስተምህር፣ ዋላ’ውን

ንልቢ’ቲ ብምጥርጣር ዝተባዕጠ ህያውነት ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ይምስክር፣ እቲ ኪንዮ ደረት ትርኢት ዘቋምት ዓይነ-ሕልናይ ከውልታት

ምኽዋልኪ ኣይዓገቶን፣ ኣብ ከውታ ኣብ ረፍዲ ወትሩ ምስኡ ኢኺ፣ እንተ እቲ ብሓቂ ዝሻሕከረ ልብኺ ግን ንዕላለይ ብስቕታ። ንፍሽኽታይ ብኩራ ክመልሰለይ። ሕነ ክፈዲ ክሕንሕን እናክቐርቦ ክሃድም ቅጅል ይብለኒ፣ ተጋግየ ድየ? መልስኺ እወታዊ ክኸውን ድማ እምነ፣ ምኽንያቱ ተኽእሎታት ጥንሰተ ሓሳባተይ ካብ ንሓሶት ንሓቂ ዘጓነየ። ለጠቕ ዝብል ስለዝኾነ፣ ብህሎታተይ ድማ ውጽኢት እቲ ኣብ ምጥርጣር ተሰሪቱ ። ካብ ክውንነት ኣንደልሂጹ ምስ ትንቢት ዝተዛመደ ተስእሎይ’ዩ፣ ተስእሎይ’ውን ውጽኢት እቲ ከይትሃድምዮ ዝሰግእ ዘሎ ጽላት ልበይ፣ ስለዚ ናይ ተጻራርነት መንፈስ ጠፊኡ እቲ ትምጥውለይ ግብረ መልሲ ብኣንጻር’ቲ ዝፈርሖ ክኸውን ትስፉው እየ፣ ኤሊ ብወርወር ኵናት ምጭውነትኪ ዝተነኽአ ልበይ ክቃለስ።

ዝለመድክዎ ክረክብ። ሓንሳብ ዋላ ጣዕሚ መቐረትኪ ዳግም ከስተማቕሮ ኣፍቅድለይ፣ ብውሑዱ ነቲ ብቅንብር ክልተ ነፍሳት ሓድነት ዝፈጠረ ሕልምታተይ ክጭብጦ ኢድ ሓጺሩኒ’ሎ እሞ። ግሁር ናፍቖትኪ ክቕህም ኢድኪ ብምስዳድ ኢድ ኩንለይ፣ሽዑ እፎይታ ክረክብ፣ ከመይ ናፍቖት ዝበንን እቲ ልቢ ዝጸሮ ምስ ዝግሃድ’ዩ፣

ካብ= ሉድ ኣትሽ

ኮለጅ ንግድን ስነ-ቁጠባን

መሪሕነት ቻይና ካብ እዋን ሚንግ ዳይናስቲ ክሳብ ኪንግ ዳይናስቲ ኣብ ደርቢ ክልክልቲ ከተማ’ዩ ዝቕመጥ ነይሩ፣ ኣብዛ ከተማ ብዘይካ ዓሌት ንጉስን ንግስትን ዘለዎምን ምስኦም ዝነብሩ ሓለውቶም። ከም ኣገልገልቶም ኮይኖም ዝሕግዝዎም ባራዩን ከደምቶምን ካልእ ተራ ሰብ ክነብር ኣይፍቀደሉን፣ እዛ ከተማ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከል ከተማ በጂንግ ደርቢ ቤት መዘከር ቻይና ትርከብ፣ ንሓሙሽተ ዘመናት ዝኣክል መንበሪ ነጋውስን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ናይ መንግስቲ በዓላት ዝካየደላን ማእከል ኮይና ኣገልጊላ፣ ክልክልቲ ከተማ ንኽትህነጽ 15

ዓመታት ውሲዱላ፣ እዛ ከተማ 9,999 ኣስታንሳ ገዛውቲ ክህልዋ እንከሎ። ካብኡ 980 መንበሪ ኣባይቲ እዩ፣ ደርቢ ክልክልቲ ከተማ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኤስያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባህሊ ቻይና። ኣብ ምዕባለ ቅርስታት ዓቢ ጽልዋ ስለዘለዋ ከም ኣርኣያ’ያ ትውሰድ፣ እዛ ከተማ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ተወርሶኣዊ ቦታ ከምዝኾነት ዝተኣወጀት ኣብ 1987 እዩ፣ ኣብዚ ዓመት ዩኔስኮ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ስርሓት ቅርጻ ዕንጸይቲ ዘለዋ ብምባል ጠቒስዎ፣ እቲ ካብ ግዜ ሃጸያውያን ክሳብ

ኪንግ ዳይናስቲ ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ክልክልቲ ከተማ ካብ 1925 ኣብ ትሕቲ ደርቢ ቤት መዘከር ኮይኑ ጸኒሑ፣ ኣብዚ እዋን ገለ ክፋል እኽብካባት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቤት መዘከር ኣብ ታይፕ ዝብሃል ቦታ ኣሎ፣ ብቋንቋ ቻይና ክልኩል zi-jin ይብሃል፣እዚ ቦታ መቐመጢ ከዋኽብቲ ነጋውስ እዩ፣ ኣብዚ እዋን እቲ ቀንዲ መንግስታዊ

ህንጻ ቻይና ፎርመር ፓላስ ይብሃል ፣ ንክልክልቲ ከተማ ንምስራሕ ክቡር ዋጋ ዘለዎም ማርሞታት። ብፍሉይ ዝተጸርቡ ኣእማን። ስርሓት ዕንጸይቲ ኣብ መሬት ዝንጸፉ ወርቃዊ ሕብሪ ዘለዎም ማቶኔላታትን ካልእ ወጻኢታትን ተገይሩ። ልዕሊ ሚልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ከኣ ተሳቲፎም፣ ካብ 1420-1644 እዛ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሚንግ ዳይናስቲ ጸኒሓ፣ ኣብ ሚያዝያ 1644 ተቓዋሚ ሓይሊ Li zicheng ነታ ከተማ ብምሓዝ ንጉስ ሻን ዳይናስቲ ብምዃን ባዕሉ ኣወጀ፣ ናይ ሚንግ ዳይናስቲ ክሃድም ምስ ተራእየ ከኣ። እቶም ልዕልነቶም ኣብ ሰሜን ጥራይ ዘርእዩ ዝነበሩ ህዝቢ ማንቹ። ንመላእ ቻይና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእተውዎ፣ ነቲ ናይላዕለዎት ነጋውስ ዝብል ዝነበረ ህንጻ ከኣ። ናይ ስምረት ደርቢ ብምባል ስም ቀየሩሉ፣ ኣገረምቲ ሓቅታት ክልክልቲ

ከተማ• ኣብ ክልክልቲ ከተማ 9,999

ገዛውቲ ክህሉ እንከሎ። እቲ ዘገርም 9 ዕድለኛ ቁጽሪ ቻይና ምዃና እዩ፣• ቁመት መንደቕ ናይ’ዛ ከተማ

10 ሜትሮ ክኸውን እንከሎ። ነቲ ወሓዚ ዕቋር ማይ ዝኸበበ ከኣ። 50 ሜትሮ ይኸውን፣ እቲ ቀንዲ ህንጻ ናይ’ዛ ከተማ ንምስራሕ 200,000 ሰራሕተኛታት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ንኽውዳእ 14 ዓመታት ወሲዱ፣• ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዳርጋ 9000

ዝኸውን ህዝቢ ኣብዛ ከተማ ይነብር ነይሩ፣ ካብዚኦም ብዘይካ ነጋውስን ስድራቤቶምን ሓለውቲ ናቶም። ኣገልገልቶም። ስሉባት። ከደምቲ የጠቓልሉ፣• ኣብቲ ሰብ ከይተረበሸ ዝጸንሓሉ

ውሽጣዊ ክፍሊ ናይ‘ዚ ደርቢ። ብዛይካ ንግስቲ ኣብ ዕለተ መርዓኣ። ካልእ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክትኣትዎ ኣይፍቀድን፣• ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት

ኣገልገልቲ ባራዩ ናይ’ዚ ቦታ ፍረ-ነብሶም ብምቕጥቃጥ ተቖሪጹ ኣብ ዕትሮ ይዕቀብ ነይሩ፣ እዚ ከኣ ምስ ሞቱ ምስኦም ከምዝቕበር ንምግባር እዩ፣• ኣብ’ዛ ደርቢ መግቢ ንምብላዕ

ዝጥቀሙሉ ሕብሪ ብያቲ። ኩባይ… ከከም ደረጅኦም እዩ ዝስራዕ፣ ወርቃዊ ብያቲ ወይ ድሙቕ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎ ንንጉስ ወይ ንግስቲ ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ፣ ኣብዚ ደርቢ ልዕሊ 3000 ውርቃዊ ብያትታት ነይሩ፣

ክልክልቲ ከተማ • ኣብ ክልክልቲ ከተማ ሓደ

ንጉስ ተካኢኡ ንምምራጽ ክሳብ ዝመውት ምስጢር ገይርዎም እዩ ዝሓልፍ፣ ድሕሪ ሞት ንጉስ ሰነዳቱ ብሓብር ብምእካብ ኣብ ዝተዓሸገት ሳንዱቕ ዝተቐብአ ስም ብምርኣይ

ይፈልጥዎ፣• ኣባሓጎታት ቻይና ብኢድ

ዝተሳእለ ጥበብ ይእመነሉ ስለዝነበረ ኣገዳሲ እዩ፣ናይ መወዳእታ ንጉስ ክልክልቲ

ከተማ puyi እዩ ነይሩ፣ እቲ ዝፋን ከኣ ኣብ መበል 3ይ ዓመቱ ተዋሂብዎ፣

ካብ መዛግብ ክብረ ወሰንዝደቐቑ ማናቱዝደቐቑ ማናቱኣብ ሆስፒታል ካሮለተሲቫ በርጂንያ ብ30 ሕዳር 1998 ዝተወልዱ ሰለስተ

ማናቱ ኣብ ዓለም እቶም ዝፈኾሱ ናጽላታት ተባሂሎም ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊሮም ኣለዉ፣ እዞም ፒቶ። ዳክን ባልኪን ዝብሃሉ ናጽላታት ክውለዱ እንከለዉ። ፒቶ 585 ግራም። ዳክ 420 ግራም ባልኪ ድማ 380 ግራም ክብደት ሒዞም ተወሊዶም፣ ዝዓበዩ መጻምድቲ(መርዓውቲ)ዝዓበዩ መጻምድቲ(መርዓውቲ)ቶማስ ሞርጋን ኤልሳቤጥ ሞርጋን ኣብ ዓለም እቶም ዝኣረጉ መርዓውቲ

ብምዃን ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊሮም ኣለዉ፣ ቶማስ ብ4 ግንቦት 1776 ኣብ ጋላማርኪ ብሪጣንያ ክውለድ እንከሎ። ኤልዛቤጥ ድማ ብ17 ጥሪ 1786 ኣብ ኬርሎን ዝተባህለ ቦታ ብሪጣንያ ተወሊዳ፣ እዞም ክልተ መጻምድቲ ኣብ 1891 ቃልኪዳን ኣብ ዝኣሰሩሉ ግዜ ቶማስ ወዲ 115 ዓመት። ኤልዛቤጥ ድማ ጓል 105 ዓመት ነይሮም፣ዝነውሐ ወርቃዊ ዓሳዝነውሐ ወርቃዊ ዓሳኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ወርቃዊ ዓሳ ዋንነት ናይ ጆን ጂስበርን ዝበሃል

ኔዘርላንዳዊ ኮይኑ። ብ24 መጋቢት 2003ን ክዕቀን እንከሎ። ካብ ጫፍ ኣፍንጭኡ ክሳብ ጭርኡ 47.4 ሰንቲ ሜተር በጺሑ ነይሩ፣ዝለዓለ ዝላ ከልቢ ዝለዓለ ዝላ ከልቢ ሰንድሬላ መይ ዝተባህለ ከልቢ 172.7 ሰንቲ ሜተር ብራኸ ብምዝላል እቲ

ዝለዓለ ዘላላይ ከልቢ ተባህሊሉ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ሰፊሩ ኣሎ፣ እዚ ናይ ኬት ሎንግ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ከልቢ ብ7 ጥቅምቲ 2006 እዩ ነዚ ክብረ ወሰን ኣመዝጊብዎ፣ዝነውሐ ብህይወት ዘሎ ከልቢ ዝነውሐ ብህይወት ዘሎ ከልቢ ጊብሰን ዝተባህለ 107 ሰንቲ ሜተር ዝቑመቱ ከልቢ። ኣብ ዓለም ብቁመቱ

መወዳድርቲ ኣይተረኽቦን፣ እዚ ብሳንድያ ሃል ዝተባህለ ዝውነን። ዛጊት ብህይወት ዝነብር ዘሎ ዝነውሐ ከልቢ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ስሙ ሰፊሩ ኣሎ፣

ቶማስ ይከኣሎ ምንጪ= Book of Records

ብሁል“ደሓን ሰሌ ክሳብ ዝብል ተጸበይዮ”ኣብ ሓደ ጋንታ ሰሌን ፍሽን ዝበሃሉ ኣዕሩኽ ነበሩ፣ ካብ ዕለታት

ሓደ መዓልቲ እዞም ኣዕሩኽ ንምዝንጋዕ ዝኸውን ድሙ ድሙ ጸሚቖም ንኽፈልሕ ኣብ ጀሪካን ሓቲሞሞ ንሓንቲ ኣባሎም ተኸታተልዮ ‘ሞ እንተፈሊሑ ኣተስእና ኢሎማ ደቀሱ፣ ብድሕሪ’ዚ ወዮ ስዋ ፈሊሑ ድምጺ ገበረ፣ ጓል ንፍሽ ነቕኒቓ እዚ ጀሪካን ፍሽሽ… ይብል ኣሎ ምስ በለቶ ዝሃባ መልሲ፣

ብንያም የማን

ጻዕዳ ክርስትያን

ካካካ ብዝንብዝንብትንብትንስእ

Page 11: Haddas Eritrea - June 17, 2009

Hª] „íXqV 17 [{ 2009 141414141111

ኤርምያስ ገብረልዑል

ካልኣይ ዙርያ ቅነ ስፖርት ካልኣይ ዙርያ ቅነ ስፖርት ስርሒት ዞባ 3ስርሒት ዞባ 3

ኣብ ካልኣይ ዙርያ ግጥማት ተጸሚደን ዝርከባ ጋንታታት ስፖርት ስርሒት ዞባ 3። ኣብ ዝሓለፈ ዙርያ ድሒረን ዝነበራ ጋንታታት ንዝጸንሐን ፍልልያት ብምጽባበን ጋንታታት ኣብ ወሳኒ እዋን ክህልዋ ኣገዲድወን ኣሎ፣

ኵዕሶ መርበብብ12 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኵዕሶ

መርበብ። ብሉጽ ምንቅስቓስ ዘርኣየት ኣልጌን ንመጋጥምታ ናቕፋ ብገፊሕ 3ብ0 ስዒራ፣ ድሒሩ ኣብ መንጎ ኣዳልን ናቕፋን ዝተኻየደ በዳሂ ግጥም። ንሓያለ ኣፍቀርቲ ኵዕሶ መርበብ ዝቓነየ ነይሩ፣ ብልዑል ፍናን ናብ ሜዳ ዝኣተዉ ተጻወትቲ ኣዳል ጸብለል ኢሎም ክመርሑ ጀመሩ፣ ብመንጽሩ። ኣወዳድባኣ ዘመሓየሸት ናቕፋ ተወዳዳሪት ኮይና ቀረበት፣ ይኹን እንበር። ተጻወትቲ ናቕፋ ክብድህዎ ዘይከኣሉ ብሉጽ ተጻዋታይ ጋንታ ኣዳል ዑቕባይ መድሃኔ ኣብ ዓወት ጋንታኡ ዓብዪ እጃም ኣበርከተ፣ በዚ ድማ። ኣዳል ንናቕፋ 3ብ2 ክትረትዓ ክኢላ፣

ኵዕሶ እግሪብ13 ሰነ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኣዳልን

ኣልጌንን ከምኡ ድማ ሂላልን ናቕፋን ግጥም ተኻይዱ ነይሩ፣ ተጻወትቲ ጋንታ ኣዳልን ኣልጌንን ውህደት ዝነበሮ ጸወታ ኣርእዮም፣

ኣብ ቀዳማይ እብረ። ተጻወትቲ ናይ ክልቲአን ጋንታታት ዝነኣድ ኣንጻራዊ ፈተነታት እኳ እንተኣካየዱ። ሸቶ ከየቑጸሩ እዮም ንዕረፍቲ ካብ ሜዳ ወጺኦም፣ኣብ ካልኣይ እብረ። ኣብ መበል 80 ደቒቕ

ኣዳል ፍጹም ቅላዕ ረኸበት፣ ኤርምያስ በራኺ ድማ ንዝተዋህበቶ ኵዕሶ ቀሊዑ ምስ ሰኪዔት ኣራኸባ፣ ጸወታ ብዓወት ኣዳል 1ብ0 ተዛዚሙ፣ድሒረን ናብ ሜዳ ዝወረዳ ጋንታታት

ናቕፋን ሂላልን እየን፣ መሪሕነት ሒዛ ናብ ካልኣይ ዙርያ ዝኣተወት ሂላል መሪሕነታ ንምውሓስ። ናቕፋ ድማ ፍልልያ ንምጽባብ ሓያል ግጥም ኣካይደን፣ ኣብ ሻሙናይ ደቒቕ ሂላል ብኣስመሮም ፍራይ ሸቶ ረኸበት፣ ንዝተቖጽረቶም ሸቶ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ዘካየዱ ተጻወትቲ ናቕፋ። ኣብ መበል 36 ደቒቕ ብመርሃዊ ገብረኣብ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣቑጸሩ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቒቕ። ሂላል ብፊልሞን ኣለም ካልኣይቲ ሸቶ ብምድጋም ነቲ

ግጥም ብመሪሕነት ናብ ዕረፍቲ ኣምረሐቶ፣ኣብ ካልኣይ እብረ። ተጻወትቲ ናቕፋ ኣብ

ምሉእ ምዕቃዕ ዘድሃበ ጸወታ ክጻወቱ እዮም መሪጾም፣ ኣብ መበል 78 ደቒቕ ከኣ መርሃዊ ገብረኣብ ንዕኡ ካልኣይቲ ንጋንታኡ ከኣ እተመዓራሪ ሸቶ ኣቑጸረ፣ ይኹን እንበር። ተጻወትቲ ናቕፋ ንውጽኢት ናይቲ ግጥም ክዕቅቡ ኣይከኣሉን፣ ኣብ መበል 82 ደቒቕ ተጻዋታይ ጋንታ ሂላል ንጋንታኡ እተዐውት ሳልሰይቲ ሸቶ ኣመዝገበ፣ በዚ ድማ። 3ብ2 ዝተዓወተት ሂላል ብ14 ነጥቢ መሪሕነታ ከተውሕስ ክኢላ ኣላ፣

ቅድድም ብሽክለታተቐዳዳማይ ሕርይቲ ጋንታ ዞባ ደቡብ

ኣብርሃም በላይ። ኣብ ውድድር ቀዳማይ ዲቪዥን ንኩሎም ተቐዳደምቲ ዙርያ ደሪቡ ብምግላፉ ብ27 ነጥቢ መሪሕነት ክሕዝ ክኢሉ፣ኣብቲ ተቐዳደምቲ 80 ዙርያ ንምሽፋን

ኣብ ዘካየድዎ ጉዕዞ። ኣብርሃም ኣብ ሰዓት 42 ኪሎሜተር እናተጓዕዘ እዩ ንመወዳድርቱ ብዙርያ ገሊፉ፣ በዚ ድማ። ምሉእ 22 ብምውሳድ መሪሕነት ካብቲ 14 ነጥቢ ኣዋሊሉ ዝቐነየ ተስፎም ተረኪቡ ኣሎ፣

ኣብ ውድድር ካልኣይ ዲቪዥን። ፍስሃየ ሃይለ። ኣስመላሽ ኣብርሃ። ተስፋኣለም ጎይትኦም። ተስፋልደት ገብረስላሰ። ጸገዘኣብ ኣስመሮምን ሙሴ ሰመረን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኮይኖም ክዕወቱ እንከለዉ። ኣብ ናይ ሳልሳይ ዲቪዥን ከኣ ሰለሙን ተወልደብርሃን። ሜሮን ገብረየሱስ። ዓወት ይትባረኽ። ኣማን ነጋሽ። በረኸት ዘርኣብሩኽን ፍጹም ገብረየሱስን ተመሳሳሊ ደረጃ ሒዞም፣

መሓሪ ተስፋይመ/ጎ/ሓ ስርሒት ዞባ 3

ንናቕፋ 3ብ2 ዝሰዓረት ጋንታ ኣዳል ንናቕፋ 3ብ2 ዝሰዓረት ጋንታ ኣዳል

ከረንከረን - - ውድድር ክሮኖ ሜተር ውድድር ክሮኖ ሜተር ተኻይዱተኻይዱ

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ንኡስ ዞባ ከረን። ብሰንበት 14 ሚያዝያ ንመጀመርታ ግዚኡ ሰለስተ ዲቪዥት ዝተሳተፍዎ ውድድር ክሮኖ ሜተር ኣካይዱ፣ካብ ሳልሳይ ዲቪዥን። ሮቤል ጎይትኦም።

ሙሳ ዓብዱላሂ። በኺት ጃብር። ዴሳዊ መልኣከ። ኣቤል ጠዓመን ነባይ ዕጀልን ክዕወቱ እንከለዉ። ሃብቶም የዕብዮ። ጀማል ተስፋሚካኤል። መርሃዊ ገብረስላሰ። መርሃዊ መልኣከ። መሓመድ ኣሕመድን ማና ሓጎስን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኮይኖም፣ ኣብ ውድድር ቀዳማይ ዲቪዥን። ኣኽሊሉ ተድላ። ሸኸዲን ኢብራሂም። ማእከለ ሃይለ። ተመስገን በርሀን ዓብደረዛቕ ሕሻልን ተመሳሳሊ ደረጃ ሒዞም፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ሻምፕዮና ኵዕሶ

ሰኪዔት ንኡስ ዞባ ከረን ተጀሚሩ ኣሎ፣ በዚ መሰረት። ዳህላክ ንሰንትራል 45ብ43። መጋርሕ ንዓንሰባ 54ብ50። ላሳለ ከኣ ንናትና 60ብ50 ኣሰኒፈነአን፣ብዘይካ’ዚ። ሰለስተ ዲቪዥናት ኵዕሶ

እግሪ ናይቲ ዞባ የካይዳኦ ኣብ ዘለዋ ውድድር ሻምፕዮና። ኣብ ግጥማት ቀዳማይ ዲቪዥን። ስቴላ ኣብ ሓሙሻይ

ደቒቕ ብሚኪኤል ኣብርሃ ከምኡ ከኣ ድሕሪ ሸውዓተ ደቒቕ ካብ ሕሩይ ወሪዕ ሰብ ካልኣይቲ ሸቶ ብምርካባ ንዓንሰባ 2ብ0 ረቲዓታ፣ዛጊት ኣብ ዝተኻየደ ሽዱሽተ ግጥማት

ቀዳማይ ዲቪዥን። ኣልነስር ብ15 ነጥቢ መሪሕነት ሒዛ ኣላ፣ ዛጊት ሓንሳብ ጥራይ ዝተሳዕረት ኣልነስር። ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ዓወት ኣመዝጊባ ኣላ፣ ተመሳሳሊ

ነጥቢ ዘመዝገበት ኣልሂላል። ብብዝሒ ሸቶ ተበሊጻ ካልኣይቲ ኮይና ውድድራ ተካይድ ኣላ፣ ስቴላ ብ12 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ፣ኣብ ታሕቲ ድማ። ኣብ ሓንቲ ግጥም

ጥራይ ዝተዓወተት ኣልሳሕል (ሰለስተ ነጥቢ ጥራይ’ዩ ዘለዋ) ንዓንሰባ ብሓደ ነጥቢ በሊጻ ሻውዓይ ደረጃ ሒዛ ኣላ፣

ዓብዱራሕማን ሳልሕ

ቅነ ስፖርት ስርሒት ቅነ ስፖርት ስርሒት ዞባ 5 ይቕጽልዞባ 5 ይቕጽል

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ 80 መዓልታት ኣቑጺሩ ዝርከብ ቅነ ስፖርት ስርሒት ዞባ 5። ኣብ ዕለታት 12ን13ን ሰነ ኣብ መንጎ ሸሞንተ ጋንታታት ብዝተኻየደ ግጥማት ኵዕሶ እግሪን ኵዕሶ መርበብን ቀጺሉ ውዒሉ፣ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ መርሃዊን ሂላልን

ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም። ሂላል 2ብ0 ክትዕወት እንከላ። ብሪጎን ድማ ንባርዕ 2ብ1 ረቲዓታ፣ደንደን ንብድሆ 1ብ0 ክትስዕራ እንከላ

መድሕን ድማ ብተመሳሳሊ ውጽኢት ንሂምቦል ረቲዓታ፣ኣብ ግጥም ኵዕሶ መርበብ። ብሪጎን ንሂምቦል 3ብ2። ሓበን ንሂላል 3ብ0። መርሃዊ ንሰላም 3ብ0 ከምኡ ድማ ባርዕ ንመድሕን 3ብ0 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊተን፣

ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)

ደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲደሃይ ምስግጋር ተጻወትቲ= ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሙኒክ።

ክለባት ማንቸስተር ዩናይትድ። ቸልሲን ሪያል ማድሪድን ንተጻዋታያ ሪበሪ ክገዝኣ ላዕሊን ታሕቲን ይብላ ምህላወን ኣረጋጊጻ፣ምስ ባየር ሙኒክ ዝነኣድ ግዜ

የሕልፍ ዘሎ ፍራንክ ሪበሪ። ኣቓልቦ

ብዙሓት ዓበይቲ ክለባት ካብ ዝስሕብ ቀንዩ እዩ፣ ክለብ ባየር ሙኒክ። ብዛዕባ ጉዳይ ሪበሪ ዝኾነ መግለጺ ክትህብ ኣይጸንሐትን፣ ትማሊ ግና። ደይሊ ሚረር ንዳይረክተር ናይታ ክለብ ብምጥቃስ ከምዝሓበረቶ። ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ክለባት ነቲ

ተጻዋታይ ደልየን ንባብ ባየር ሙኒክ ምኩሕኩሐንን እታ ጋንታ ድማ እቲ ተጻዋታይ ክሳብ ውዕሉ ዘብቅዕ ክወጽእ ከምዘይትፈቕደሉን ገሊጻ፣

= ቅድሚ ዝኾነት ጋንታ ክለብ ሪያል ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ዴቪድ ቪያ ዘለዋ ተገዳስነት ምግላጻ ይንገር፣ ድሒራ ድማ ማንቸስተር ዩናይትድ ነቲ ተጻዋታይ ዓይና ከምዘውደቐትሉ ማዕከናት ዜና ገሊጸን፣ ትማሊ። ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ ዝዘርግሓኦ ዜና ከኣ። ባርሴሎና ንዴቪድ ቪያ 32 ሚልዮን ፓውንድ ሰሊዓ ትዋገ ምህላዋ ተሓቢሩ፣ቫለንስያ። ንቪያ ትሕቲ 40 ሚልዮን

ፓውንድ ከምዘይትሸጦ ትገልጽ፣ ቪያ ካብ ክለብ ቸልሲ እውን ጻውዒት ቀሪቡሉ ምንባሩ ይዝከር፣ኣብ ካልእ ዜና ባርሴሎና። እታ

ሻምፕዮና ክለባት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ክንፊ መስመር ቫለንስያ ንዝጻወት ዩዋን ማታ ክትገዝኦ ትደሊ ምህላዋ ንሪያል ማድሪድ ከየሻቐላ ኣይተረፈን፣

= ናብ ክለብ ሪያል ማድሪድ ክኸይድ ከምዝኽእል ክንገረሉ ዝጸንሐ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል - ክሊቺ። ምስ ጋንታኡ ከምዝጸንሕ ገሊጹ፣እቲ ወዲ 23 ዓመት። ምስ ክለቡ

ኣርሰናል ዘለዎ ውዕል ዝሓለፈ ዓመት ከምዘናውሐን ምስታ ለንደናዊት ክለብ ድማ ዋንጫ ንምዕታር ክጽዕር ምዃኑን ንስካይ ስፖርትስ ሓቢሩ ኣሎ፣ኣብ 2003 ካብ ካንስ ናብ ኣርሰናል

ዝተሰጋገረ ክሊቺ። “ማዕከናት ዜና ናብ እስጳኛ ከምዝኸይድ ክገልጻ ጸኒሐን፣ ብወገነይ ምስ ጋንታይ ክጸንሕ’የ ዝደሊ፣ ጋንታይ እትውስነለይ ግን ኣይፈልጥን” ኢሉ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ቀላሲ መስመር

ምክፍፋል ክለብ ኣርሰናል - ፋብሬጋስ። ነቲ ‘ናብ ባርሴሎና ክኸይድ መደብ ኣለዎ’ ዝብል ዜና። ‘ሓሶት’ ክብል ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ። ባርሴሎና ኣብ ልዕሊ ፋብሬጋስ ዘለዋ ተገዳስነት ክትገልጽ ምጽናሓ ይዝከር፣

ቶረስ ቶረስ ኣስቆርቍሩኣስቆርቍሩእስጳኛዊ ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል

ፈርናንዶ ቶረስ። እስጳኛውያን ክለባት ንዘይደቂ ሃገረን ተጻወትቲ ዘይተኣደነ ገንዘብ የውጽኣለን ብምህላወን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ፣ቶረስ። ብፍላይ ሪያል ማድሪድ

ተጻወትቲ ንምግዛእ እተካይዶ ዘላ ሜላ። ንኵዕሶ እግሪ እስጳኛ ዝደቁስ ምዃኑ ብምግላጽ። “ንደቂ ሃገር (እስጳኛ) ዘየተባብዕ መስርሕ” ክብል ድማ ወቒሱ፣ድሕሪ ንካካ ምግዛኣ። 80 ሚልዮን

ፓውንድ ብምውጻእ ንሮናልዶ ዝገዝአት ሪያል ማድሪድ። ቅድሚ ሕጂ ንዚዳንን ፊጎን ክብረ ወሰን ብዘትሓዘ መጠን ገንዘብ ምግዛኣ ይዝከር፣ ንክሩፍን ማራዶናን ኣብ ዝተፈላለየ

እዋናት ዝገዝአት ባርሴሎና። ክብረ ወሰን መሸጣ ተጻወትቲ ሒዛ ነይራ ኢያ፣ ትሑት ብቕዓት እተርኢ ዘላ ሪያል ቤትስ ከኣ። ኣብ 1998 ንደኒልሰን ብ21.5 ሚልዮን ፓውንድ ገዚኣ ምንባራ ይዝከር፣“እስጳኛውያን ተጻወትቲ ኣብ ሃገርና ዋጋ

የብልናን፣ ካብ ዓለም ዝበለጸት ጋንታ እስጳኛ ክንሳ። ንወጻእተኛታት ተጻወትቲ መጠኑ ዝሓለፎ ገንዘብ ምጥፋእ ጌጋ እዩ” ይብል እቲ ካብ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ሊቨርፑል ብ20 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ቶረስ፣

** ** **

መአረምታኣብ ናይ ትማሊ ሕታምና ዓምዲ ስፖርት። ‘ሞሪኖ። ንዴኮን ካርቫልዮን፤ ፈርጕሰን ድማ ሞሪኖ። ንዴኮን ካርቫልዮን፤ ፈርጕሰን ድማ ንዴቪድ ቪላ ኣማዕድዮም ኣብ ትሕቲ ዝብል ንዴቪድ ቪላ ኣማዕድዮም ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’። ‘...ኣርእስቲ’። ‘... እቲ ተጻዋታይ ንሰሙን 140,000 ሚልዮን ፓውንድ እናተኸፍለ ...’ ዝብል ‘...እቲ ተጻዋታይ ንሰሙን 140,000 ፓውንድ ..’እቲ ተጻዋታይ ንሰሙን 140,000 ፓውንድ ..’ ተባሂሉ ክንበብ ምስናይ ይቕሬታኡ ንገልጽ፣

Page 12: Haddas Eritrea - June 17, 2009

12ሓዳስ ኤርትራ 17 ሰነ 2009

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት።- ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪቤ/መ/መ/ ሰናይ 17/06/09 ጐደና ዓዲ ኣበይቶ ቊ. 89። ትሕቲ ቤ/ት/ ማርቲብ ሉተር ነበር (ዓዲ ስሄል) 158168ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1። 127565

ብደረጃ ዓለም ንዕድጊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብዝምልከት ዝወጽእ ባጀት ብ4 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ክብረወሰን ዝሓዘ ናይ 1,464 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝኾነን ተገሊጹ፣ዝበዝሕ’ቲ ወጻኢታት ንዕድጊ

ነፈርቲ ኵናትን ምስአን ዝተኣሳሰር ቴክኖሎጂካዊ ኣቕሑን ከም ዝወዓለን ዕድጊ ኣጽዋር ቁጠባዊ ዝሕታለ ዛጊት ከምዘየረኻኸበሉን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ምርኢት ነፈርቲ ተሓቢሩ፣ዕድጊ ናይተን ኣጽዋር ዘፍርያ

ኩባንያታት ካብ 2002 ንደሓር ብ37 ሚእታዊት ዓብዩ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ። በቲ ዕድጊ 44 ናይ ኣመሪካ። 32 ናይ ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ሓያሎ ናይ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ኩባንያታት ዓቢ መኽሰብ ረኺበን ኣለዋ፣ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። “ቦይንግ”

ዝተባህለ ትካል ምፍራይ ነፈርቲ ኣመሪካ 30.5 ቢልዮን። ቢ.ኤ.ኢ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ድማ

ምድረበዳነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናስፋሕፍሐ ዝመጽእ ዘሎን እዋናዊ

ሓባራዊ ኣህጉራዊ መኸተ ዘድልዮን ምዃኑ ተመራመርቲ ገሊጾም፣ምድረ-በዳነት ብሰንኪ ምብራስ

ኣግራብ። ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ዋሕዲ ዝናብ። ድሑር ኣገባብ ማሕረስን ካልእን ዝስዕብ ኮይኑ። ኣብ ሓያሎ ክፋል ዓለም። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ብዘሻቕል መጠን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ተርእዮ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፣

ምሕጻብ ኢድ ካብ ሓያሎ ሕማማት ንናይ ምክልኻል ተኽእሎ ክብ ከምዘብሎ ክኢላታት ስነ-ጥዕና ኣብ “ጆርናል ኦፍ ክሊኒክ ፕራክቲስ” ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ገሊጾም፣

ኢድ ብግቡእ ምሕጻብ ካብ ውጽኣት። ረኽሲ ሳምቡእ። ኢንፍሉዌንዛ። ወይቦ። ኣንቅጺ። ጉንፋዕ። ሰዓልን ካብ ካልኦት ሕማማትን ክከላኸል ከምዝኽእል እቲ ጽሑፍ ኣረጋጊጹ፣

ሕማማት ዘኸትሉ ባክተርያ። ኣብ ኩሉ’ቲ ብኢድ ዝትንከፍ ነገራት ስለ ዝርከቡ ኣእዳውና መግቢ ኣብ እንወስደሉ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ። ዓይኒ ምድሪ ድሕሪ ምጥቓምና’ውን ክንሕጸቦ ከምዝግብኣና እቶም ክኢላታት ይመኽሩ፣

ምሕጻብ ኢድ። ነቶም ዝተጠቕሱ ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ክኸላኸሎም ዝኽእል’ኳ እንተዘይኮነ። በቶም ሕዋሳት ንናይ ምልካፍ ተኽእሎ ብኣስታት ፍርቂ ከጕድሎ ከም ዝኽእል ብተወሳኺ ተገሊጹ፣

ብምሉኦም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ባክተርያ ንደቂ ሰብ ጎዳእቲ’ኳ እንተዘይኮኑ። ገለ ግን ኣዝዮም ሓደገኛታትን ጠንቂ ሓያሎ ሕማማትን ከምዝኾኑ ክኢላታት ይሕብሩ፣

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ። ጽልኢ ወጻእተኛታት (xenophobia) ዛጊት ኣብ ቦታኡ ከምዘሎን ኣብ ዝኾነ እዋን ክባራዕ ከምዝኽእልን ቢቢሲ ሓቢሩ፣ከቢድ ሂወት ሰባት ዝጠለበ

ናዕቢ ኣንጻር ስደተኛታትን

ደቂ ተባዕትዮ ብዘይመጠን ስለዘትኩኹ። ዝያዳ ስለዝኽስዑን ልዑል መጠን ኣልኮል ስለ ዝወስዱን ዝያዳ ደቀንስትዮ ብሕማም መንሽሮ ከም ዝጥቅዑን ንሞት ከምዝቃልዑን ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ፣ብመሰረት’ቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ።

ተጠቃዕነት ደቂ ተባዕትዮ በቶም ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝርኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ብ60 ሚእታዊት ዝለዓለ እዩ፣ከም መንሽሮ ሳንቡእ

ዝኣመሰሉ ንክልቲኡ ጾታታት ከጥቅዑ ዝኽእሉ ዓይነታት መንሽሮ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ከምዝርኣዩን ጠንቂ ናይዚ ምትካኽ ሽጋራን ካብ ዓቐን

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከብ ምድረበዳ ሰሃራ። ዓመታዊ ዓሰርተታት

ኪሎሜተራት ን ደ ቡ ብ የስፋሕፍሕ ከምዘሎን እዚ ድማ ካብ ኣትላንቲክ ው ቅ ያ ኖ ስ (ሰኔጋል) ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ( ኤ ር ት ራ ) ተ ዘ ር ጊ ሑ ን ዝ ር ከ ብ ሓውሲ-ደረቕ ዞባ ሳሕል እናለከመን ንሸነኽ ደቡብ

እናደፍአን ይመጽእ ከምዘሎን ድማ መጽናዕትታት ኣረጋጊጹ፣ምድረ-በዳነት ኣብ ኣፍሪቃ እዋናዊ

መግትኢ እንተዘይተጌርሉ። ኣብ 2025። እታ ኣህጉር ን25 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ክህልዋ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ፣ብሓፈሻ ካብ ኣፍሪቃ ናብ መሬት

ዓረብ። ኤስያ። ኣውስትራልያን

ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ምድረበዳ ብኣዝዩ ኣሰካፊ ዓቐን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ዝተኻየደ መጽናዕትታት የረጋግጽ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ምድረበዳነት።

ኣስታት 24 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ክስደዱን ከለዉ። ክሳብ 2050 ዓ.ም ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 200 ሚልዮን ክድይብን ን10ታት ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ጥምየት ከይገብሮም ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ፣ብመሰረት’ቲ 17 ሰነ ብውድብ ሕቡራት

ሃገራት መዓልቲ ምምካት ምድረበዳነት ኮይና ክትዝከር ከምዝተወሰነን ናይ ሎሚ ዓመት 17 ሰነ ከኣ “ምዕቃብ ሓመድን ማይን። ምውሓስ ሓባራዊ መጻኢ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ረቡዕ 17 ሰነ ትበዓል ከምዘላን ተፈሊጡ፣

ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሰሃራ ካብ ዓለም ዝዓበየ ምድረበዳ ኮይኑ። ኣስታት 9 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር ማለት ክንዲ ኣህጉር ኤውሮጳ ንዝኸውን መሬት ይሽፍን፣

ገለ ከባቢታት ናይቲ ምድረበዳ ብ180 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ሑጻ ዝተሸፈነምዃኑ’ውን መጽናዕታት የረጋግጹ፣

ምድረበዳነት። ካብ ግዜ ናብ ግዜ የስፋሕፍሕ

ዕድጊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብ4 ሚእታዊት ወሲኹ

29 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ብምሻጥ ብቐዳምነት ይመርሑ ኣለዉ፣ብዕድጊ ኣጽዋር። ኣመሪካ ብ607

ቢልዮን ቀዳመይቲ። ቻይና ብ84.9 ቢልዮን ካልኣይቲ ክኾና እንከለዋ። ፈረንሳ። ብሪጣንያ። ሩስያ። ጀርመን። ጃፓን። ኢጣልያ። ስዑዲ ዓረብን ህንድን ድማ ይስዕባአን፣ካብ 1999 ንደሓር

ጥራይ ዕድጊ ኣጽዋር ብ45 ሚእታዊት ወሲኹ ከምዘሎ ድማ ጻብጻባት ይሕብሩ፣ኣብ 2008 ብደረጃ ዓለም

ንጠቕላላ ወተሃደራዊ ወጻኢታት 1.5 ትሪልዮን ዶላር ወግዓዊ ባጀት ከም ዝተሰልዐ። እቲ 48% ካብዚ ብኣመሪካ ዝተገብረ ወጻኢ ከምዝዀነ ድማ ይግለጽ፣ብዘይካዚ ሃገራት ኤውሮጳ ብድምር

20% ናይዚ 1.5 ትሪልዮን ዶላር ክሽፍና እንከለዋ። ሩስያ 8%። ቻይና

8% ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ድማ ብድምር 1% ናይቲ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ወጻኢ ገይረን፣ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት። ቻይና

ወተሃደራዊ ባጀታ ብ14.9 ሚእታዊት ከተዕብዮ እንከላ። ኣመሪካ ብወገና ኣብ ዘለዋ ብ7.5 ሚእታዊት ወሲኻትሉ ኣላ፣

ደቡብ ኣፍሪቃ። ዛጊት ኣብ ቅርሕንቲ ወጻእተኛታት

“ደቂተባዕትዮ። ዝያዳ ብሕማም መንሽሮ ይጥቅዑ” መጽናዕቲ

ዝሓለፈ መስተን ምዃኑን እቲ መጽናዕቲ ኣረዲኡ፣ትካል ምርምር ሕማም መንሽሮ

ብሪጣንያ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ። ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኩነታት ጥዕናኦም ዝወሓደ ተገዳስነት ከምዘርእዩን ንጥዕናኦም ዘመሓይሽ ለውጢ ናይ ምግባር ድሌቶም’ውን ዝወሓደ ከምዝዀነን ኣነጺሩ ኣሎ፣

ሓደ ሰብ ነብሱ ካብ ክቱር ስብሒን ትኪ ሽጋራን እናተኸላኸለ ከምኡ’ውን ግቡእ ኣመጋግባን ክትትል ሕክምናን እናገበረን ንልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብ ሓደጋታት መንሽሮ ከወግዶ ከም ዝኽእል ብተወሳኺ መኺሩ፣ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ። ንዝረኣዮም

ምልክት ናይ ዝኾነ ሕማም ንምርግጋጽ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ስለዘይከዱ። ተጠቃዕነቶም ድማ ብኡ መጠን ዝለዓለ ከም ዝኸውን እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ፣ ደቂ ተባዕትዮ። ብሕማም

መንሽሮ ተጠቃዕነቶም ዝለዓለ ምዃኑ ተረዲኦም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግብኦም ዝምኸሩ ተመራመርቲ። እቲ መጽናዕቲ ዝያዳ ምርምር ከምዘድልዮ ከይጠቐሱ ኣይሓለፉን፣

ካልኦት ወጻእተኛታትን ዓመቱ ኮይኑ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ወጻእተኛታት። ብፍላይ ኣፍሪቃውያን ብፍርሒ ተዋሒጦም ከምዘለዉ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ፣እታ ሃገር ዋንጫ ዓለም 2010

ክተኣንግድ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን እቲ ስግኣት ኣብ ቦታኡ ምህላዉ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ስራሕ ከናድዩ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ንዘለዉ ንሓያሎ ወጻእተኛታት ኣርዒዱ ከምዘሎ ተሓቢሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት። ደቡብ

ኣፍሪቃውያን “ወጻእተኛታት ስራሕና ክጫረቱናን ከሕድጉናን’ዮም” ብዝብል ስግኣት ዘበገስዎ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ይዝከር፣በቲ መጥቃዕቲ 62 ወጻእተኛታት

ክቕተሉ እንከለዉ። ልዕሊ 100 ሽሕ ድማ ከም ዝተመዛበሉን ናብ

መዕቆቢ ቦታታት ከምዘምርሑን ይዝከር፣ኣብታ ዝተፈላለየ ሕብርታት

ዘለዎም ኣህዛብ ዝነብሩላ ብሃገረ። ቀስተ-ደበና (rainbow nation) እትፍለጥ ደቡብ ኣፍሪቃ። ዝሓለፈ ስርዓት ኣፓርታይድ ብዝፈጠሮ ሕማቕ ጽልዋ። ዜጋታት’ታ ሃገር ብዝያዳ ንኣፍሪቃውያን ወጻእተኛታት የጥቅዑ ምህላዎም ይሕበር፣ደቡብ ኣፍሪቃውያን። ኣብ

ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ሃገራት ናይቶም ሎሚ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ዘለዉ ኣህዛብ ይዕቆቡ ምንባሮም ጸብጻባት የዘኻኽሩ፣