12
2 2 KkF 18 –Kq cÿ.250 ሓሙስ 18 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ 0 0 9 9 0 0 ²Ãö-9 ኣብ እዋን ጥንሲ ዝርአ ቀጻሊ ምሕርናኽ ሳዕቤን ኣለዎ ተባሂሉ ²Ãö-3 ወተሃደራዊ ወጥሪ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ይኸርር ²Ãö-10 ተኽሊ ዱማ ²Ãö-4 እታ ሰዓት ²Ãö-5 ፍዮሪ - ፍዮሪ ረኺባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ዞባ ጋሽ- ባርካ ናይ ዝካየድ ዘሎ ገስጋስ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ሕርሻዊ ትሕተ- ቅርጺ ድማ ብፍላይ ንምዕዛብ። ዑደት ኣካዪዱ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዑደቱ። ኣብ ዓድ ዑመር ዝህነጽ ዘሎ ጀሪፍ ኣብ ዝበጽሓሉ። ንዕላማኡን ኣብ ምዕባለ ንጥፈታት ሕርሻን እቶታውነትን ዘለዎ ኣበርክቶን ብዝምልከት። ብክኢላታት መብርሂ ተዋሂብዎ፣ እቲ ብተሳታፍነት ብርክት ዝበላ ማሽነሪታት ዝዕመም ዘሎ ጀሪፍ። 400 ሜትሮ ጐኒን 4 ሜትሮ ብራኸን ዘለዎ ኮይኑ። ንውሕጅ ጋሽ ናይ ቀደም ኣንፈቱ ብምትሓዝ ናህሩ ዝንኪ ከምዝኾነን ዝዓበየ ክፋሉ ተዓሚሙ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝህልዎ ዝርዝራዊ ቅርጽን። እቶም ክኢላታት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሆምሉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። እቲ ስራሕ ክራማት ከየርከበ ንኽዛዘም ተወሳኺ ጻዕሪ ኪካየድ ብምዝኽኻር። ንትግሃትን ተወፋይነትን ናይቶም ኣብቲ ስራሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ዞባ ጋሽ - ባርካ ዝካየድ ዘሎ ገስጋስ መደባት ልምዓት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድሕሪዚ። ንገስጋስ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብሰንኪ ብርቱዕ ውሕጅ ተሃስዩ ዝነበረን ብገዚፍ ወጻኢ መንግስቲ ዝጽገንን ዝሰፍሕን ዘሎ መእለዪ ውሕጅ ዓሊ ግድር ኣብ ዝተዓዘበሉ ድማ። ተበጺሑ ዘሎ ደረጃን ተሪፉ ዘሎ ዕዮ ንምዕማም ኪግበር ብዛዕባ ዘለዎ ስራሓት ምስ ክኢላታት ድሕሪ ምምይያጥ። ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ዓሊ ግድር ብምብጻሕ። ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ- ቅርጺ በጺሑን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ ናብ ንኡስ ዞባ ገሉጅ ብምምራሕ። ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ሕርሻዊ ምድላዋት ተዓዚቡ፣ ብዘይካፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ኣለቡ ተተኺሉ ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ ፋብሪካ መጻረዪ ማይ። ከምኡ ድማ ዕዳጋታት እኽልን ኣሕምልትን ከተማ ባረንቱ በጺሑ፣ ሰፊሕ ዝርዝር ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ዝመጽእ መደባትና ክነቕርብ ምዃንና ንሕብር፣ ተዋፊሮም ዘለዉ መጒሱ፣ ብዘይካኣብቲ ከባቢ። ብጸፍዒ ውሕጅ ተፈጢሩ ንዝነበረ ኣንፈት ናይ ምቕያር ስግኣት ዝቕንጥጥ። ልዕሊ 600 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጋብዮናት ተሃኒጹሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝተበጀዉ ስውኣት ዝገደፍዎም ስድራቤታት ንምሕብሓብን ንምእላይን ብዝኣተዎ ቃል። ካብ 2004 ክሳብ ሚያዝያ 2009 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ከምዝኸፈለ። ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊጹ፣ እቲ ሓበሬታ። መንግስቲ ኤርትራ ስድራ- ስውኣት ንኽሕግዙ መሰረት ዘንበረ ኣዋጅ ቁጽሪ 48/1994 ብምውጻእ ኣብዓመትደበስ ከምእተኸፍለ ዝዝከር ኮይኑ። ናጽነት ኣብ ምምጻእን ልኡላውነት ኣብ ምውሓስን ናይ ዝተሰውኡ ዜጋታት ስድራ ምሕጋዝ ኣዋጅ ቁጽሪ 137/2003 ከምዘውጸአ። እቲ ኣዋጅ ድማ ነቲ ደገፍ ብዝርዝርን ብንጹርን ኣስፊርዎ ከምዘሎ ኣብሪሁ፣ በዚ መሰረት። ኣብ 2004 ልዕሊ 203 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2005 ኣስታት 392 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2006 ልዕሊ 333 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2007 ኣስታት 321 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2008 ኣስታት 352 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2009 ድማ ኣስታት 63 ሚልዮን ናቕፋ ካብ ካዝና መንግስቲ ከምእተኸፍለ ተፈሊጡ፣ ብዘይካዚ። ኣብ 22 ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት። ነቶም ኣዝዮም በታኻት ስድራ- ስውኣት ተወሳኺ ሓገዝ ንምግባር ብዝወሰድዎ ተበግሶ። 7 ሽሕን 906በተኻት ስድራ- ስውኣት ይኣልዩ ኣለዉ፣ ነፍሲ- ወከፍ ናባዪ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 720 ዶላር ከምዝልእኽ ዘመልከተ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን። ካብ 2004 ክሳብ መጋቢት 2009 ኣስታት 83 ሚልዮን ናቕፋ ኣታዊ ኮይኑ ከምእተዓደለ ኣነጺሩ፣ ስድራ - ስውኣት ንምሕብሓብ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ተዋሂቡ ምስጢር ባህሊ። ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ

Haddas Eritrea - June 18, 2009

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: Haddas Eritrea - June 18, 2009

22 KkF 18 –Kq cÿ.250 ሓሙስ 18 ሰነ 2009 ²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ

00 9900 ²Ãö-9ኣብ እዋን ጥንሲ ዝርአ ቀጻሊ

ምሕርናኽ ሳዕቤን ኣለዎ ተባሂሉ

²Ãö-3ወተሃደራዊ ወጥሪ ሓውሲ ደሴት

ኮርያ ይኸርር

²Ãö-10ተኽሊ ዱማ

²Ãö-4እታ ሰዓት

²Ãö-5ፍዮሪ - ፍዮሪ ረኺባ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ናይ ዝካየድ ዘሎ ገስጋስ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ድማ ብፍላይ ንምዕዛብ። ዑደት ኣካዪዱ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዑደቱ። ኣብ ዓድ ዑመር ዝህነጽ ዘሎ ጀሪፍ ኣብ ዝበጽሓሉ። ንዕላማኡን ኣብ ምዕባለ ንጥፈታት ሕርሻን እቶታውነትን ዘለዎ ኣበርክቶን ብዝምልከት። ብክኢላታት መብርሂ ተዋሂብዎ፣

እቲ ብተሳታፍነት ብርክት ዝበላ ማሽነሪታት ዝዕመም ዘሎ ጀሪፍ። 400 ሜትሮ ጐኒን 4 ሜትሮ ብራኸን ዘለዎ ኮይኑ። ንውሕጅ ጋሽ ናይ ቀደም ኣንፈቱ ብምትሓዝ ናህሩ ዝንኪ ከምዝኾነን ዝዓበየ ክፋሉ ተዓሚሙ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝህልዎ ዝርዝራዊ ቅርጽን። እቶም ክኢላታት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሆምሉ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ። እቲ ስራሕ ክራማት ከየርከበ ንኽዛዘም ተወሳኺ ጻዕሪ ኪካየድ ብምዝኽኻር። ንትግሃትን ተወፋይነትን ናይቶም ኣብቲ ስራሕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝካየድ ዘሎ ገስጋስ መደባት ልምዓት ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድሕሪ’ዚ። ንገስጋስ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ብሰንኪ ብርቱዕ ውሕጅ ተሃስዩ ዝነበረን ብገዚፍ ወጻኢ መንግስቲ ዝጽገንን ዝሰፍሕን ዘሎ መእለዪ ውሕጅ ዓሊ ግድር ኣብ ዝተዓዘበሉ ድማ። ተበጺሑ ዘሎ ደረጃን ተሪፉ ዘሎ ዕዮ ንምዕማም ኪግበር ብዛዕባ ዘለዎ ስራሓት ምስ ክኢላታት ድሕሪ ምምይያጥ። ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ዓሊ ግድር ብምብጻሕ። ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ በጺሑን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩን፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ ናብ ንኡስ ዞባ ገሉጅ ብምምራሕ። ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ሕርሻዊ ምድላዋት ተዓዚቡ፣

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ኣለቡ ተተኺሉ ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ ፋብሪካ መጻረዪ ማይ። ከምኡ ድማ ዕዳጋታት እኽልን ኣሕምልትን ከተማ ባረንቱ በጺሑ፣

ሰፊሕ ዝርዝር ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣብ ዝመጽእ መደባትና ክነቕርብ ምዃንና ንሕብር፣

ተዋፊሮም ዘለዉ መጒሱ፣ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ከባቢ። ብጸፍዒ

ውሕጅ ተፈጢሩ ንዝነበረ ኣንፈት ናይ ምቕያር ስግኣት ዝቕንጥጥ።

ልዕሊ 600 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጋብዮናት ተሃኒጹ’ሎ፣

መንግስቲ ኤርትራ ንክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝተበጀዉ ስውኣት ዝገደፍዎም ስድራቤታት ንምሕብሓብን ንምእላይን ብዝኣተዎ ቃል። ካብ 2004 ክሳብ ሚያዝያ 2009 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ከምዝኸፈለ። ካብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት

ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊጹ፣እቲ ሓበሬታ። መንግስቲ ኤርትራ

ስድራ-ስውኣት ንኽሕግዙ መሰረት ዘንበረ ኣዋጅ ቁጽሪ 48/1994 ብምውጻእ ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ደበስ ከምእተኸፍለ ዝዝከር ኮይኑ። ናጽነት ኣብ ምምጻእን ልኡላውነት ኣብ ምውሓስን ናይ ዝተሰውኡ

ዜጋታት ስድራ ምሕጋዝ ኣዋጅ ቁጽሪ 137/2003 ከምዘውጸአ። እቲ ኣዋጅ ድማ ነቲ ደገፍ ብዝርዝርን ብንጹርን ኣስፊርዎ ከምዘሎ ኣብሪሁ፣

በዚ መሰረት። ኣብ 2004 ልዕሊ 203 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2005 ኣስታት 392 ሚልዮን ናቕፋ፤

ኣብ 2006 ልዕሊ 333 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2007 ኣስታት 321 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ 2008 ኣስታት 352 ሚልዮን ናቕፋ፤ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2009 ድማ ኣስታት 63 ሚልዮን ናቕፋ ካብ ካዝና መንግስቲ ከምእተኸፍለ ተፈሊጡ፣

ብዘይካ’ዚ። ኣብ 22 ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት። ነቶም ኣዝዮም በታኻት ስድራ-ስውኣት ተወሳኺ ሓገዝ ንምግባር ብዝወሰድዎ ተበግሶ። ን7 ሽሕን 906ን በተኻት ስድራ-ስውኣት ይኣልዩ ኣለዉ፣

ነፍሲ-ወከፍ ናባዪ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 720 ዶላር ከምዝልእኽ ዘመልከተ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን። ካብ 2004 ክሳብ መጋቢት 2009 ኣስታት 83 ሚልዮን ናቕፋ ኣታዊ ኮይኑ ከምእተዓደለ ኣነጺሩ፣

ስድራ-ስውኣት ንምሕብሓብ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ደበስ ተዋሂቡ

ምስጢር ባህሊ። ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ

Page 2: Haddas Eritrea - June 18, 2009

2ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢዮናስ መሓሪ

ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 125394

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስዘቢብ ተወልደራሄል ግርማይሓበን ስብሃቱ

ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብ

ለይ-ኣውትመጥፋእቲ ሓዊ

202099202260

ቀይሕ መስቀል122244

ፖሊስ ዞ/ማእከል ፖ/ትራፊክ ዞ/ማእከል)

120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ152817

ምልክታናይ ወርሒ ሰነ መጽሔት ሕድሪ። ንኣንበብቲ ዘገድሱ ጉዳያት

ሒዛ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ ኣላ፣ ዋጋ 5.00 ናቕፋ፣ መጽሔት ሕድሪ ንሓበሬታ። መጽሔት ሕድሪ ንዘተ፣

ፋብሪካ ዓለባ ባራኮ። ጠለባት ውሽጢ ሃገር ብምምላእ ንሰደድ ዝዓለመ ምህርቲ ንምፍራይ ጻዕርታቱ የሓይል ከምዘሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ፋብሪካ ኣቶ ርእሶም ነጋሽ ምስ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ኣብሪሁ፣

እቲ ፋብሪካ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘፍርዮ ዘሎ ምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሃልኽ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ርእሶም። ፍርያቱ ብዓይነትን መጠንን ክብ ኣቢሉ ንሰደድ ዝበቅዕ ተወዳዳሪ ዓለባታት ንምፍራይ’ውን መደብ ከምዘለዎን ይሰርሓሉ ምህላውን ብምግላጽ። ነቲ ስራሕ ብዓወት ንምክያድ ድማ ንኣባላቱ ዝተፈላለየ

ሞያዊ ስልጠናታት ይህብ ከምዘሎ ሓቢሩ፣

ኣብ’ቲ ፋብሪካ በብእዋኑ ብዝተኣታቶ ዘሎ መሳርሒታት። ምፍታል። ማእለማ። ምስታይ ሕብርታት። ምስፋይን ካልእን ዘማልአ ስራሓት ከምዝካየድ ብምሕባር ድማ። ዓቕሚ’ቲ ፋብሪካ ክብ ንምባልን ንምሕያልን እቲ ጻዕርታት ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፣

ካብ ሰራሕተኛታት’ቲ ፋብሪካ ወይዘሮ ፋና ዓንቀጸብርሃን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። በቲ እትነጥፈሉ ሞያ ቀጻሊ ስልጠናታት ከምዝዋሃባ ብምግላጽ። ከም ውጽኢቱ ኣብ እትካይዶ ንጥፈታት ብተገዳስነት

ፋብሪካ ዓለባ ባራኮ። ንሰደድ ዝዓለመ ምህርቲ ንምፍራይ ጻዕርታቱ የሓይል

ከምእትሰርሕን ዝኾነ ጸገም ከምዘየጋጥማን ኣብሪሃ፣

ናይ ልዕሊ 45 ዓመት ተመኲሮ ማእለማ ዘለዎ ኣቶ ጅዘፐ ረጀንተ ብወገኑ። ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ጥዑይ ዝምድናታት ስራሕ ብምፍጣር ፍርያት’ቲ ትካል ንምዕባይ በብእዋኑ ንዝወሃቦም ሞያዊ ስልጠና ድሕሪ ምምስጋን። ፍርያት ሃገር ንምስሳን ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ገሊጹ፣

ፋብሪካ ዓለባ ባራኮ። ብ1998 ናብ ብሕታዊ ትካል ዝተሰጋገረ ኮይኑ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሰለስተ እብረ ዝሰርሑ 900 ሚእቲ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ፣

ጎድኒ ጎድኒ’ቲ መንግስቲ ስድራቤት ስውኣት ንምሕብሓብን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ። ህዝቢ’ውን ከካይዶ ንዝጸንሐ ኣበርክቶ ከዕዝዞ ከምዝግባእ። ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣዘኻኺሩ፣

ኣቶ ዑስማን ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት። ህዝቢ ምእላይ ስድራቤት ስውኣት ጾር መንግስቲ ጥራይ ከምዘይኮነ ተረዲኡ። ነቲ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ዘካይዶ ንጥፈታትን ዝገብሮ ሓገዛት ብዝለዓለ ክደፍኣሉ ኣተሓሳሲቡ፣

ህዝቢ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ብኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ንልዕሊ 200 ስድራቤት ስውኣትን ኣለይቲ ደቂ ስውኣትን ከምዘጣየሰ ዝጠቐሰ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ። እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብህዝቢ ዝተተግበሩ ዓበይቲ መደባት ከምዝኾነ ብምምልካት። እቶም ብህዝቢ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ምድግጋፋት መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ስውኣትን ስድራቤታቶምን ዘሎ ኣኽብሮት ምዃኑ ኣረዲኡ፣

ብዘይካ’ዚ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ህዝቢ ስድራ-ስውኣት

ንምሕጋዝ ከካይዶ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ማእቶታዊ ንጥፈታት። ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። ኣብ ዝተፈላለዩ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ምትካል ፈልስን ምስራሕን ምጽጋንን ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታትን ተዋፊሩ ዕውት ስራሕ ይዓምም ከምዘሎ ኣቶ ዑስማን ገሊጹ፣“ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ

ድሕነትን ዝመሓደሩ መእለዪ ዘኽታማት። ኣብ ምንባይ ደቂ ስውኣት ዓቢ ተራ ይጻወቱ ኣለው” ዝበለ ኣቶ ዑስማን። ክሳብ ሕጂ ብህዝብን መንግስትን ዝተተግበሩ ናብ ስድራቤት ስውኣትን ኣለይቲ ደቂ ስውኣትን ዝቐንዑ መደባት’ውን እወታዊ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ኣነጺሩ፣

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ዑስማን። ናይ ስራሕ ዓቕሚ ዘለወን ስድራቤታት ቀዳምነት ክወሃባ። ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ዝሕግዝ ሜላታት ክተኣታቶ። ከምኡ’ውን ከምቶም ኣብ ተኾምብያ። ሽላሎን ሻምብቆን ዝተሰርሑ መካነ መቓብር ሰማእታት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ክሰርሑ ተላብዩ፣

ህዝቢ ንስድራቤት ስውኣት ዝገብሮ ምትሕግጋዝ ክዓዝዝ። ኣቦመንበር

ባይቶ ዞ/ጋሽ-ባርካ ኣዘኻኺሩ

ተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት። “ምሕጋዝን ምሕብሓብን ስድራ-ቤት ስውኣት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ዘይኮነ። ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት’ዩ” ብምባል። ኮሚቴታት ብምቛም ንስድራ’ቶም በጃ ሃገርን ህዝብን ዝሓለፉ ሓርበኛታት ንምእላይ ሓላፍነት ወሲዶም ይነጥፉ ኣለዉ፣

ሓደ ካብኣቶም ሓርበኛ ተስፋዝጊ የማነ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር ድሌትን ባህግን ነፍሲ-ወከፎም

ተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት። ስድራ-ቤት ስውኣት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ

ከምዝነበረ። እንተኾነ ግን ካብ ብውልቂ ብጥርኑፍ ዝግበር ዕዮ ዝያዳ ኣድማዕን ውጽኢታውን ምዃኑ ኣሚኖም። ጥርናፊኦም ኣሐዪሎም ናብ ግብራዊ ስራሕ ከምእተሰጋገሩ ብምሕባር። “ልዕሊ’ቲ ሃገራዊ ሓገዝ። እቲ እትረኽቦ ውሽጣዊ ዕግበትን ሕልናዊ ዕረፍትን ይረዝን” ክብል ኣብሪሁ፣

ሓርበኛታት ኣለም ገብረሃንስን ሚኪኤል ጎይትኦምን በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ። ኣብ’ቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከም ሓላፍነቱ ወሲዱ

ዝነጥፈሉ ዘሎ ቅዱስ ዕላማ እጃሞም ከበርክቱ ብምብቅዖም ዝተሰመዖም ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ። ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሕልሞም ንምትግባር ንዝገበረሎም ምትሕብባር መጒሶም፣

ሓርበኛ ዓብዱሰላም ዓሊ ብወገኑ። “ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እንእለ እንተኾና። ንስድራ-ቤት’ቶም ትማሊ በጃ ሃገርን ህዝብን ኣብ ጎድንና ከለዉ ዝሓለፉ ብጾት ኣለናልኩም ምባልና። መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ብጾትናን ስድራ-ቤቶምን ዘለና ኣኽብሮትን ሓልዮትን’ዩ” ድሕሪ ምባል። ንኽኣልየን ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ተዋሂበንኦ ንዘለዋ ኣደ። ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብኣካል ክበጽሐን መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ፣

ሓርበኛታት ሰንበቱ ዑቕባጼንን ማሕሙድ ዑስማን ድማ። እቲ ትማሊ ብኣካል ካብ ጃጋኑ ብጾቶም ዝተቐበልዎ ሕድሪ ክፍጽሙ ብምብቅዖም ቅሳነት ከም ዝስምዖም ብምጥቃስ። ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ምሕብሓብ ስድራ-ቤት ስውኣት ብዝለዓለ ክነጥፍ ኣዘኻኺሮም፣

ንሳቶም ኣስዒቦም። ዛጊት ምስቶም ንኽኣልይዎም ሓላፍነት ዝወሰዱ ስድራ ስውኣት ብኣካል ከምዘይተላለዩ። ብኣጋጣሚ 20 ሰነ ግን ናይ ምብጽሖም መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፣

ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ሮዳብ ብዝወሰድዎ ሰናይ ተበግሶ። ልዕሊ 570 ሽሕ ናቕፋ ንስድራ ስውኣት ወፍዮም፣

ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ሰነ-ስርዓት። ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ኣብ ዘስምዖ ቃል፤ ኣባላት’ቲ ኩባንያ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ናይ ምህናጽ ሃገር ስርሓት ንስድራ ዝገበርዎ ሓገዝ።

ብኻልኦት’ውን ክሰዓብ ዘለዎ ቅዱስ ተግባር ከምዝኾነ ብምጥቃስ። ምስጋናኡ ነቶም ኣባላት ገሊጹ፣

ነቲ ሓገዝ ዘረከበ ኣብ ኩባንያ ህንጻ ሮዳብ ኣቦ-መንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣቶ ተኽሊት በርሀ ብወገኑ። እቲ ሓገዝ ሞራላዊ መልእኽቱ ከምዝዓቢ ብምሕባር። ህዝቢ ብሓፈሻ ትካላት መንግስትን ሰብ ርእሰማልን ድማ ብፍላይ እጃሞም ከበርክቱ ተላብዩ፣

ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ሮዳብ ልዕሊ 570 ሽሕ ናቕፋ ሓገዝ ንስድራ

ስዉኣት ኣበርኪቶም

Page 3: Haddas Eritrea - June 18, 2009

3ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ኣብ ኤስያ-ፓስፊክ ብሓፈሻ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ድማ ብፍላይ ካብ ዝኾነ ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣዝዩ ተኣፋፊ ወተሃደራዊ ኩነታት ተኸሲቱ ኣሎ፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተኣፋፊ ወተሃደራዊ ወጥሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸረረ ይኸይድ ብምህላዉ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ኵናት ከይባራዕ ስግኣት ኣንጠጥዩ ይርከብ፣

ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣብ መጀመርያ 1950ታት ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ዝቐጸለ ደማዊ ኵናት ከምዝተኻየደ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ፣ ብሰንኪ’ቲ ካብ 1950 ክሳብ 1953 ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዝተኻየደ። ቻይናን ኣመሪካን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ንክልቲአን ተጻረርቲ ወገናት ብምሕጋዝ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝገበራሉ ኵናት። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣብ ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን እቶም መዛግብቲ ታሪኽ ብተወሳኺ የመልክቱ፣

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብ 1953 ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ድሕሪ ምኽታመን። እቲ ኣብ መንጎአን ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ደው ኢሉ፣ ኪባራዕ ንዝኽእል ተወሳኺ ግጭት ንምግታእ ድማ። ንሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ዝፈሊ ካብ ወተሃደራዊ ህላዌ ነጻ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ዞባ ተመሰርቱ፣

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብ መጀመርያ 1950ታት ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ድሕሪ ምኽታመን። ኩለን እተን ኣብ ኵናት ኮርያ ኢደን ኣእትየን ዝነበራ ሃገራት ሰራዊተን ጠቕሊለን ስሒበን’ኳ እንተኾና። ኣመሪካ ግን ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘዋፈረቶ ሰራዊት ዛጊት ኣይሰሓበቶን ዘላ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ዝተሰለፉ ኣስታት 30 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ገና ስግር እቲ ንክልቲኤን ኮርያ ዝፈሊ። ካብ ወተሃደራዊ ህላዌ ናጻ ዝኾነ ዞባ ዓስኪሮም ኣለዉ፣

ህላዌ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ። ንመስርሕ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቕን ኮርያ ኮሊፍዎ’ዩ፣ ክልቲኤን ኮርያ ነቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዘካየድኦ ደማዊ ኵናት ብወግዒ ንምዝዛም ዛጊት ውዕል ሰላም ስለ ዘይከተማ ከኣ ተክኒካዊ ገና ኣብ ኵናት ኣለዋ፣ ከም ሳዕቤኑ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ዝዓጠቑን ኣድላይ ስልጠና ዝቐሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወተሃደራት ክልቲኤን ኮርያን ኣመሪካን። ነቶጕቲ ብጻዕቂ ብዝተተኽሎ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ተፈላልዮም ኣብ ሓጺር ርሕቀት ንሓድሕዶም ተፋጢጦም ይርከቡ፣

ሰሜን ኮርያ። ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ውሕስነት ጸጥታ ተሰሚዕዋ ኣይፈልጥን፣ ኣመሪካ። ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ኣቀዲማ መጥቃዕቲ ብምፍጻም። ንዴሳዊ ስርዓት እታ ሃገር ካብ ስልጣን

ንምእላይ ውጥን ከምዘለዋ’ውን ሰበ ስልጣን ሰሜን ኮርያ ይወቕሱ፣

ወተሃደራዊ ወጥሪ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ይኸርርወተሃደራዊ ወጥሪ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ይኸርር

ሰሜን ኮርያ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነተ “ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት” ብሓፈሻ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ህላዌ ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ድማ ብፍላይ ውሕስነት ጸጥታ ረኺባ ከምዘይትፈልጥ’ያ እትገልጽ፣ ሰሜን ኮርያ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንምውሓስን ካብ ኣመሪካን ኮራኩር ኣመሪካ ምዃነን ካብ እትጠቕሰን ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ከጋጥማ ንዝኽእል ወተሃደራዊ ተጻብኦ ንምምካትን ወተሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ምድልዳል ኣተኵራ ኪትሰርሕ ጸኒሓ፣

ሰሜን ኮርያ። ከም ኣካል ናይቲ ሓይሊ ምክልኻላ ብውሽጣዊ ዓቕማ ብዘማዕበለቶ ዘመናዊ ኣጽዋር ንምድልዳል ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕሪ። ብ25 ግንቦት ዕዉት ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብ ኣካይዳ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝተኻየደ ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብ። ብኩሉ መለኪዒታቱ ዕውት ምንባሩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ፣

ብመሰረት መግለጺ ማእከል ምርምር ስነ-ምድሪ ኣመሪካ። እቲ ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብ። ካብ ርእሰ ከተማ ፕዮንግያግ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 368 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ። ልዕሊ 9.5 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝዕምቆቱ ትሕተ ባይታ’ዩ ተኻይዱ፣

ናይ ምፍንጃር ዓቕሚ ናይቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝፈተነቶ ኑክሌሳዊ ቦምብ። ካብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ዝፈተነቶ ተመሳሳሊ ቦምብ ከምዝሕይልን ምስቲ ኣመሪካ ኣብ 1945 ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ሂሮሽማን ናጋሳክን ንዝተባህላ ከተማታት ጃፓን ንምድምሳስ ዝተኮሰቶ ኑክሌሳዊ ቦምብ ከምዝዳረግን። ሩስያውያን ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ። ድሕሪ’ቲ ፈተነ ንዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምጽናዕ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም፣

ሰሜን ኮርያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ብዘይካ ኑክሌሳዊ ቦምብ። ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘማዕበለቶ። ሓጺር። ማእከላይን ነዊሕን ርሕቐት ዝውንጨፉ ገሊኦም ኑክሌሳዊ ቦምብ ኪስከሙ ዝኽእሉ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ዓይነት ሚሳይል’ውን ብዓወት ፈቲና’ያ፣ እታ ሃገር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሰላማዊ መዓላ ከምእትውዕል ዝገለጸታ ናይ መራኸቢታት ሳትላይት ናብ ዙርያ መሬት ከምዝወንጨፈት ዝዝከር’ዩ፣

ሰሜን ኮርያ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ቦኽሪ ፈተነ ኑክሌሳዊ ሚሳይል ከምዘካየደት ጸብጻባት የረድኡ፣ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ንኻልኣይ እዋን ዕዉት ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብ ምክያዳ። ኣብ ምዕባለ ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ ጽቡቕ ትስጕም ምህላው ዘመልክት ከምዝኾነ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ፣

እንተኾነ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ፈነተ ኑክሌሳዊ ቦምብን ሚሳይላትን ከምኡውን ናብ ዙርያ መሬት ዝወንጨፈታ ናይ

መራኸቢታት ሳትላይት። ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ተሪር ተቓውሞ ኣስዒቡላ

ኣሎ፣ ብዘይካዚ እቲ ፈተነ። ንኹሉ መዳያዊ ወጥሪ ኤስያ ፓስፊክ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከምዘዕረጎን።። ንኑክሌሳዊ ቅልውላው ሓውሲ ደሴት ኮርያ ብሰላም ንምፍታሕን ዝምድና ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ናብ ንቡር ንምምላስን ክወሰድ ንዝጸንሐ ተበግሶ’ውን ከምዝቐተሎን ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ ይገልጹ፣

ደቡብ ኮርያ። ጃፓን። ኣመሪካ። ቻይና። ሩስያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን። ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈነተ ኑክሌሳዊ ቦምብን ሚሳይላትን። ንዞባውን ኣህጉራውን ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘአቱ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትሪ ኮኒነን፣

ብፍላይ ኣመሪካ። ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብን ሚሳይላትን ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ስግኣት ምዃኑ ብምግላጽ። ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ውሁድ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ኪወሰድ ጸዊዓ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ብወገነን። ብሰሜን ኮርያ ንዝተኻየደ ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብ ዘይቅቡል ክብላ ብትሪ ተቓውመአን ኣስሚዐን፣ ሰራዊተን ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ኪጸንሕ ድማ ኣዚዘን፣

በዚ መሰረት ደቡብ ኮርያ ሰራዊታ ንኹሉ እንተታት ተዳልዩ ኪጸንሕ ጥቡቕ ትእዛዝ ከተመሓላልፍ እንከላ። ተመራሒ ሚሳይል ዝዓጠቓ ፈጣናት ጀላቡ ኣብ ገማግም ምዕራባዊ ማያታ ኣዋፊራ፣ ኣብ ከባቢ ደሴት የኦንፕየኦንግ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ንዝነጥፋ ጀላቡ ዝዕጅባ መራኽብ ኵናት’ውን ናብቲ ከባቢ ልኢኻ’ላ፣ ብዘይካዚ ደቡብ ኮርያ። ኣብቲ ኣዕነውቲ ኣጽዋር ከምዝጸዓና ዝጥርጠራ መራኽብ ሰሜን ኮርያ ንምፍታሽ ብኣመሪካ ዝተወሰደ ብPSI ዝፍለጥ ተበግሶ ከምእትጽንበር ኣፍሊጣ’ላ፣

ኣመሪካ ብወገና ተወሰኽቲ F-22 ዝዓይነተን ዘመናውያን ነፈርቲ ኵናት ናብ ኤስያ-ፓስፊክ ብምልኣኽ ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓይላ ተደልድል ኣላ፣ ብዘይካዚ ኣብ ጃፓን ደሴን ዝመደበረን ነፈርቲ ስለያ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ኮርያ ብደቂቅ ንምክትታል ብቀጻሊ ኮለላ የካይዳ ኣለዋ፣ ኣመሪካ። ወተሃደራዊ ዓቕሚ ደቡብ ኮርያ ምስ ናይ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከምዝመጣጠን ንምግባር። ዘመናዊ ኣጽዋር ነታ ሃገር ትሸጠላ ከምዘላ’ውን ይግለጽ ኣሎ፣ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን። ንብቕዓት ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ክብ ንምባል ምዃኑ ዝገለጸኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ከምዘካየዳ ዝዝከር’ዩ፣

ብዘይካዚ ኣመሪካን መሻርኽታን። ሰሜን ኮርያ ብውሽጣዊ ዓቕማ ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ። ሚሳይላትን ሳትላይትን ብምምዕባል ማዕረ’ተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ኪትስራዕ ምብቕዓ ከም ድፍረት ስለ ዝቖጸርኦ ጥራይ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተሪር እገዳ ብምጽናዕ ቀጺዐናኣ ኣለዋ፣

እቲ ብስም ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ሓድሽ ውሳኔ። ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ዓይነት ኣጽዋር ከይተአቱን ንሰደድ ከይትልእኽን ዝኽልክልን ከምኡ’ውን ኩለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት። ምስ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምትሕሓዝ ዘለዎ መሳጢርያታት ጽዒነን ካብን ናብን ሰሜን ኮርያ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ኪፍትሻን ንዝጠርጠርኦ ንብረት ድማ ከዕንዋን ስልጣን ዝጽውዕ’ዩ፣

ይኹን’ምበር ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት። ሰሜን ኮርያ የንጸላልዋ ከምዘሎ ንእትገልጾ ጸጥታዊ ስግኣት ንምፍታሕን ይኹን ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ነባሪ ሰላም ንምምጻእን ዕቱብ ተበግሶ ከይወሰደ። ብኣመሪካን መሻርኽታን ንዝቐረበ። ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተሪር እገዳ ኪጸንዕ ዝጽውዕ ንድፈ እማመ ከምዘለዎ ምጽዳቑ። ንድርብ ዕያርን መጋበርያነትን እቲ ባይቶ ዘቃልዕ ከምዝኾነ። ዲፕሎማያዊ ጸብጻባት የረድኡ፣

ሰበ ስልጣን ሰሜን ኮርያ’ውን ንውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ክብሉ ነጺጎሞ ኣለዉ፣ ንመራኽባ ሰሜን ኮርያ ካብ ጉዕዘአን ንምስንኻል ይኹን ንምፍታሽ ዝውሰድ ስጉምቲ ይቕረ ዘይባሃሎ ምግሃስ

ልኡላውነት ምዃኑ ጠቒሶም ከኣ ሃገሮም ንከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከም ምእዋጅ ኵናት ከምእትቖጽሮን ብቅጽበት ሓያል ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ከምእትህበሉን ኣገንዚቦም፣

ብዘይካዚ ሰሜን ኮርያ ነቲ ውሳኔ ብምቅዋም። ብዩራኒዮም ዝሰርሕ ሓድሽ ፕሮግራም ምምዕባል ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከምእትጅምርን ኣብ ኢዳ ዘሎ ፕሎቶኒዮም ድማ ብምሉእ ኣብ ምስራሕ ኑክሌሳዊ ቦምብ ከምእተውዕሎን ገሊጻ’ላ፣ ሰሜን ኮርያ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ባህሪያዊ ዩራኒዮም ብብዝሒ ከምዘለዋ። ተመራመርቲ ስነ- ምድሪ ይሕብሩ፣ ክንዲ ዝኾነ እታ ሃገር ንመመስርሒ ኑራኒዮም ዘገልግል ቴክኖሎጅን መሳለጥያታትን እንተወኒና። ኑክሌሳዊ ቦምብ ብብዝሒ ከተፍሪ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልጹ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓውሲ ደሴት “ኩነተ ኵናት” ተኸሲቱ ከምዘሎ ብምጥቃስ። በቲ ኣብ 1953 ምስ ደቡብ ኮርያ ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ከምዘይትቕየድን ን ኑ ክ ሌ ሳ ዊ ቅልውላው ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣመልኪቱ ኪካየድ ካብ ዝጸንሐ ዘተ ሽዱሽተ ሃገራት ከ ም ዝ ሰ ሓ በ ት ን ኣፍሊጣ፣ ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ሓያል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኪትወስድ ከምእትኽእል’ውን ብ ተ ደ ጋ ጋ ሚ ኪትህቦ ኣብ ዝጸንሐት መግለጺ ኣጠንቂቓ’ላ፣

እታ ሃገር ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ባይቶ ጸጥታ ኣንጻራ ዘሕለፎ ውሳኔ። ተወሳኺ ፈተነ ኑክሌሳዊ ቦምብን ሚሳይላትን ከተካይድ ከምእትኽእል’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ጥርጣሬኦም ይገልጹ ኣለዉ፣፣ ድሮ’ውን እታ ሃገር ካብ ታይፖዶንግ-2 ንላዕሊ ዝውንጨፍ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይል ንምፍታን ምድላዋታ ከምዘጻፈፈትን ኣካላት ናይቲ ሚሳይል ድማ ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ተገጣጢሙ ንፈተነ ድሉው ኮይኑ ከምዘሎን ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናት ይሕብሩ፣

መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤስያ-ፓስፊክ ዝጓሃሃር ዘሎ ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ዝኽእል ተኣፋፊ ወተሃደራዊ ወጥሪ። መሰል ምውናን ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ። ሚሳይልን ኣብ ሰላማዊ መዓላ ዝውዕል ሳተላይትን ኢዩ፣

ምውናን ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጅን ሚሳይላትን ከም ናይ ብሕተን መሰል ዝወስድኦ ሃገራት ምዕራብ። ዝኾነት ሃገር ብውሽጣዊ ዓቕማ ፋሕተርተር ኢላ ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ ከተማዕብልን ሚሳይላት ኪትዓጥቕን ኣብ እትፍትነሉ እዋን። ምስ ምኽባርን ምግሃስን ኣህጉራዊ ውዕል ዘይምብዛሕ ኑክሌስ-NPT ብምትእስሳርን ካልኦት ዝተፈላለየ ምስምስ ብምቕራብን ከተዓናቕፍኣ ህርድግ ከምዝብላ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ፣ ኣመሪካን መሻርኽታን’ውን። ሰሜን ኮርያ ተማዕብሎ ዘላ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ነቲ ኣህጉራዊ ውዕል ከምዝግህስ ብምውቓስ’የን እታ ሃገር ተማዕብሎ ንዘላ ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ ከሰናኽልኦ ዝህቅና ዘለዋ፣

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕል ዘይምብዛሕ ኑክሌስ-NPT። ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክውንና ዝፍቀደለን ሃገራት እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ብወግዒ ቅድሚ ምጽዳቑ ኑክሌሳዊ ቦምብ ዓጢቐን ዝነበራ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ

ማለት ኣመሪካ። ሩስያ። ብሪጣንያ። ፈረንሳን ቻይናን ጥራይ ኢየን፣ ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ውዕል ሓሙሽቲአን ሃገራት ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ ናብ ካልኦት ሃገራት ከየሰጋግራ። ኣብ ዕጥቀን ዘሎ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ከጉድላን ኣብ መወዳእታ ድማ ኑክሌሳዊ-ቦምብ ኣልቦ ዓለም ከረጋግጻን ሓላፍነት ኣለወን፣

ይኹን’ምበር። ኣመሪካ። ሩስያ። ብሪጣንያ። ፈረንሳን ቻይናን። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕል ዘይምብዛሕ ኑክሌስ-NPT ኣብ ዕጥቀን ዘሎ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምጉዳል ዛጊት ተበግሶ ኣይወሰዳን፣ ብኣንጻሩ እተን ሃገራት ኣህጉራዊ ውዕል ዘይምብዛሕ ኑክሌስ ዘሰከመን ረዚን ሓላፍነት ዘንጊዐን። ሓደስቲ ኑክሌሳዊ ቦምብ ኣብ ምስራሕን ኣብ ዕጥቀን ንዝጸንሐ ኣብ ምምሕያሽን ኣተኵረን ይሰርሓ ኣለዋ፣

ብዘይካዚ እስራኤል። ህንድን ፓኪስታንን

መሻርኽቲ ሃገራት ኣመሪካ ብምዃነን ጥራይ ንኣህጉራዊ ውዕል ዘይምብዛሕ ኑክሌስ ብምግሃስ ኑክሌሳዊ ቦምብ ኪውንና በቒዐን ኣለዋ፣ እንተኾነ ኣመሪካ ትኹን ባይቶ ጸጥታ። ኣብ ልዕሊ እተን ድሒረን ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂን ኑክሌሳዊ ቦምብን ዝወነና ህንዲ። ፓኪስታንን እስራኤልን ዛጊት ዝወሰድዎ ስጉምቲ የለን፣ ብኣንጻሩ ባይቶ ጸጥታ። እታ ምስ ኣመሪካ ኣብ ሓያል ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን እትርከብ ሰሜን ኮርያ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ንእተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ንምትዕንቓፍ። ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተደጋጋሚ እገዳ ከጽንዕ ጸኒሑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንዝኽተሎ ድርብ መዐየሪ ዘቃልዕ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ፣

በዚ ኮይኑ በቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ መሰል ምውናን ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂ ዝመንቀሊኡ። ሓያል ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ ተኸሲቱ’ሎ፣ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት’ውን። ኩሉ ወተሃደራዊ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ንኵናት ድልዋት ኮይኖም ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ። ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ከምዝድምስሶ ይፍክሩ ኣለዉ፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተኣፋፊ ወተሃደራዊ ኩነታት ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ። ኣብ ምድር ኮርያ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ። ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘውርድን ንዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ዝዘርግን ደማዊ ኵናት ከይተባርዐ ከምዘይተርፍ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ፣ ክንዲ ዝኾነ ዝምልከቶም ወገናት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ዘጓሃህር ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡን። ንዘለዎም ጸገማት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ምቹእ ሃዋሁ ኪፈጥሩን ይግባእ፣

ማሕበረሰብ ዓለም’ውን። ንመሰል ምውናን ኑክሌሳዊ ቴክኖሎጂን ኑክሌሳዊ ቦምብን ዝምልከት ንኹለን ሃገራት ብማዕረ ዝገዝእ። ሓድሽ ኣህጉራዊ ሕጊ ኪነድፍ እዋኑ’ዩ፣

Page 4: Haddas Eritrea - June 18, 2009

4ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ዕዘይ ካብታ ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ ዝተቐመጠላ ኣውስትራልያ’ዩ መጺኡ፣ ነቲ ልቢ ዝመልስ ምኡዝ ክሊማ ዓዱ ካብ ዘስተማቕር ገና ሳልስቱ ኢዩ፣ ንኸባቢ 28 ዓመታት ዝሓዞ ከቢድ ቅርሲ ንብረት-መብጽዓ ገና ካብ ሕቖኡ ስለዘየራገፎ ግን ኣይቀሰነን፣ ኣብ ርእሲኡ ኩነታት ስንኩል ሓው ሻርሕ ካብ ግምቱን ትጽቢቱን ንላዕሊ ኰይኑ ብምጽንሑ ፍጹም ኣሰንቢዱዎ ኢዩ፣

ዕዘይ ኣዝዩ ረቂቕን ሓጺር ዝእጅግኡ ጻዕዳ ማልያን ቱታን ኢዩ ለቢሱ፣ ጭሕሙ በኣጻብዕቱ ክደርዝን ንታሕቲ ገጹ ስሕብ ስሕብ ከብልን ድሕሪ ምጽናሕ። ነቲ ብሰንኪ ትኪ ሽጋራ ምሉእ ብምሉእ ሕብሩ ዝቐየረ ኣስናኑ ሓርቀምቀም ኣበሎ፣ ንእለቱ’ውን ኣብ ዓሚቚ ዝኽሪ ኣትዩ ክሕንብስ ጀመረ፣ መተዓብይቱ። መጻውቱ። መማህርቱ። መተኣስርቱ። መሳድድቱ ንኹሉ ክዝክሮ ፈቲኑ፣ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝኽርታት እናኣፈልፈለ ዘይሩ ዘይሩ ናብታ ኣዝያ ምውቕቲ ነይራ ድሒራ ዝተባታተነት ፍትውቲ ገዛኦም ተመልሰ፣

*** ብ1974’ዩ ዕሙራት ዓድታት

ዝበረሳሉን ስድራቤታት ዝተበታተናሉን ግዜ፣ እታ ምውቕቲ ገዝኦም ስድራቤት ሽፋ መሓመድ ስራጅ’ውን ሽዑ’ያ ንፋስ ዝኣተዋን ንኽትበታተን ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረትን፣ ሻርሕ እቲ ቦኽሪ ገዛ ጽልኣት ጦር ሰራዊት ዒቕ ኢሉዎ ክጋደል ንሜዳ ወጺኡ፣ ዘይነብ ምንኣሱ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩነታት ብዘይ ኣፍልጦ ቤተሰባ ምስ ገለ መሓዙታ ንሱዳን ጠፊኣ፣ ኣቦይ ሽፋ ከኣ ሓደ ዕዘይ ጥራይ ሒዞም ተረፉ፣ ንሱ’ውን ዓመት ድሕሪ ምጥፋእ ኣሕዋቱ ዝገደደ ገጠሞ፣ ሓደ ምሸት ዓፋኝ ወተሃደራት ንዕዘይን ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያትን ወሲዶም ከም ዑንቂ ሸረቡዎም፣ ኣቦይ ሽፋ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይኑዎም ውነኦም ክስሕቱ ቀረቡ፣ ደሃይ ወዶም ንምፍላጥ ይኽእል’ዩ ንዝበልዎ ናይ ኢዶም እናነገፉ ብምሃብ ልዕሊ ዓቕሞም ጸዓሩ፣ እንተዀነ ደሃይ ዕዘይ ሽታ ማይ ኰነ፣ ድሕሪ’ዚ ኣቦይ ሽፋ ጓሂ ብዘምጽኦ ሕማም ኣብ ካልኣይ ዓመቶም ዓረፉ፣

ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ሞት ኣቦይ ሽፋ ግን ዕዘይ ኣብ ዓለም-በቃኝ ከም ዘሎ ተረጋገጸ፣ ወላዲቱ ኣደይ ባሕረኑር ሓጂ ማዕሩፍ’ውን ኣይሓመቓን፣ ንኹሉ ዘጋጠመን ክኢለን። ቤተንን ንብረተንን ብምሻጥ ገንዘብ ኣኻኺበን ኣዲስ-ኣበባ ኣተዋ፣ ለይትን መዓልትን ጽዒረን ገዚፍ ጉቦ እናሃባ ከኣ ንዕዘይ ካብ ሞትን ስንክልናን ከምልጠኦ ከኣላ፣ ዕዘይ ነዊሕ ከይጸንሐ ብሓገዝ ቤተ-ሰብ ህይወቱ ንምድሓን ንስደት ኣምረሐ፣ ኣደይ ባሕረኑር ንዓደን ተመሊሰን ጽምዋ ዝወሓጦ ናብራ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መፋርቕ ክራማት 1985 ኣሰር ሰብኣየን ሰዓባ፣*** ምጽላል ኩነታት ሓሙታ ዋላ ባህ

ኣይበላን፣ ነዚ ገዛ ድዩ ጸሊኡዎ። ዋላ ምምጽኡ ደስ ዘይበሎ ኰይኑ? ዶስ ጽምዋ ስለ ዝለመዶ’ዩ፣ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምፍላጥ ሓርበታ፣ ትገብሮ ምስ ጠፍኣ ንበዓል-ቤታ ካብ ከቢድ ድቃሱ ቀሳቐሰቶ፣ ሻርሕ ተበራቢሩ ናብቲ ዕዘይ ዝነበሮ ቦታ ገጹ ኣምረሐ፣ ዕዘይ ካብቲ ርሑቕ መገሻ ሓሳቡ ተመሊሱ ግዲ ጸኒሑ ድምጺ ምርኩስ ሻርሕ ሓው ምስ ሰመዐ ደንገጸን ሰንበደን፣ “ኢሂ ዕዘይ… እንታይ ጸገም

ኣጋጢሙ ድዩ?’’ በሎ ሻርሕ ኣብ ምርኩሱ ተደጊፉ፣ “ዋላ ሓንቲ ጸገም የሎን። “ ኢሉዎ

ስምካ …. ንገረኒፍጥረትካ ሰብ። ልግስኻ ስላሴ

ልፍንቲ ወስታኻ ህራም በትሪ-ሙሴጸዋር-መስገደል። መላኺ ማዓትዓስቢ ጉዕዞኻ። ህላወ ብዙሓት

ውቃበ ሰይጣን ካብ ኮንካ ተጀጁካብ ቅብኣ ትንፋስካ። መላይን

ተቘንጁኣብ ዙፋን ጽንዓትካ። ውጹዓት

ተገምጁእንታይ ዓቕሚ። ኣለዎም ቃላት

ሻሕ-ሻሕ እንተበሉ ፈሲሶም ቅጽላትስምካ ዘራኽሱ። ከይኮኑ ሰጊአ

ኣብ ጥምቀትካ ዝወዓለ። ከይሰምዓኒ ፈሪሐ

ኣብ ኩሮ ሰባኣት። ትብዓት ካብ ትሕለብ

ካብ በረኸት ትንፋስካ። ህይወት ካብ ዝምገብ

“ሓቀኛ ነጸብራቕ ድሕነት ሰብኣውነትሕሩይ ገንሸል ቡቕሊ ናጽነትልብኻ ፍትሒ ቀታል ባርነት

ጥምሮ ማሕዘልካ ረራው ሓድነት”እናበሉ….

ኪንዮ ዓቕሞም። ካብ ዝውድሱኣብ ባሕሪ ናእዳ። ካብ ዝሕንብሱስምካ ክሳዕ ትነግሮም ግዳ …

ኣኣፎም ዘይዓብሱ፣መንፈስ ቆራሮ። ኣባኻ ካብ ሞቖ

ጸጋ መስተርሆትካ ህይወት ካብ ተበቆስምካ ዝሓርበቶ ዘይሓትት እንተደልዩ

ድምቀት ሓንቲ ዕለት ኣብ ብርሃን ኮሊሉ

“ጸሓይ” ካብ ዝብለካ። ስምካ ዘዘንጢሉ፣

ዘይጽሓይ ደኣ’ሞ ጸላም’ያ ተሕምቕኣብ ዓመጽን ፍትሕን ምስ ኩሎም

ትበርቕ!ዓቕሚ ካብ ስኣንኩ። ንስምካ ክገልጽ

ጸውዓኒ ግዳ … ኣሰርካ ክመርጽመብተኽ ስግኣት። ጎዞሞ ሓደጋ

ነብሰይ ክሽንና ናይ ክብርኻ ዋጋኪንዮ ዕንቈ ባሕሪ ዕዳ ነብሰ-ስጋንሕልፈት ምስ ከድካ ኣሻሓት

ክጸንሑኣብ ቀንዴል ንዳድካ ርእየ ኣእላፍ

ክምርሑዒላ ጥበባተይ ናእዳ እንተተቐድሑ

ተጸንቂቖም ቃላት። ስምካ ከየጒልሑ፣ሞያ ምሳኻ …. ካብ ከበደኒ

ሓያል - ሞሎኮትካ ካብ ተጻዕነኒ ባዕልኻ’ባ … ስምካ ንገረኒ

ስምካ!

ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)

ነታ ቀርቂሩዋ ዝነበረ ሽጋራ ሰሓባ፣ “እሞ ከተዕርፍ ክትሕጐስ

ዘይከኣልካ ኣንታ ዕዘይ! ቁሩብ ጋሻ ግዲ ኴንካ ከቢድካና። ንባዕልኻ ድማ ኣየዕረፍካን፣ ምሉእ ለይቲ ምስዘን ሰራማት ሽጋራ ክትቃለስ፣ እንድዒ ወደይ’’። ንባዕሉ ድቃስ ድዩ ወልፊ ኣፉ ከፊቱ እናምባሃቘ፣ “ኣየ! ሻርሕ ንሱስ ሓቅኻ ኢኻ፣

እንተዀነ ግን ሓደ ነገር ኣሎ።” በለ ሓሳቡ ከይወደአ ኣንጠልጢሉ ብምግዳፍ፣ “እንታይ ሓደ ነገሩ? ኣንታይ ኴንና

ዲና?” ሓተተ ሻርሕ ብዓውታ፣ “ኣይ! ከምኡ ኣይኮነን ሻርሕ

ርግእ በል፣ ዝዀንናዮን ዘጋጠመን የብልናን፣ እንተዀነ ኩነታትካ ነቲ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ዝነበረ ፕሮግራመይ ሰባቢሩለይ ኢዩ።” በለ ኩሉ ነገር ግልጺ ኰይኑ ብምዝራብ፣ “ኣይተረደኣንን ዕዘይ፣ እንታይ’ዩ እቲ

ብሰንከይ ዝተሓላለኸ ፕሮግራምካ?”“ስማዕ ሻርሕ ሓወይ ኣነ ክብገስ

ከሎኹ ዝስራዕኩዎ መደብ ነዊሕ

እዋን ከም ዓቢ መብጽዓ ዝኣተኹዎን ናይ ሓደ ብህይወት ዘየለ ዓርከይ ኣሎ፣ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ’ዩ ነይሩ፣ ናትካ ነገር ግን ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ኰይኑ ጸኒሑኒ፣ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝኣክል ከቢድ ስንክልና ከም ዘሎካን ከም ዝገጠመካን ሕጂ ብኣካል ምስ ረኣኹኻ እየ ፈሊጠ፣”

ሻርሕ መጀመርያ ክምስ በለ፣ “ኣየ ዕዘይ ዘየጨንቕ የጨንቐካ ኣነ

ደኣ ኣንታይ ጸገም ኣሎኒ… ክንደይ ካባይ ዝገዱ። ካብ ዓራት ዘይትንስኡ። ካብ ብሽግለታ ወሪዶም ዘይፈልጡ። ከረጺት ቀልቀል ሒዞም ዝዛወሩ መጋድልተይ ትማል ኣየርኣኹኻን ድየ? እስከ ምሳኣቶም ኣወዳድረኒ፣ ኣንታይ’ዩ ዝጎድለኒ። እንታይ’ዩ ዝተርፈኒ፣ ይሰርሕ። ናብራ የካይድ። ይዛወር። ዝደለኹዎ ይገብር ኣሎኹ፣ ከምዚ ናተይ ዘይተዓደለት ክንደይ ድያ? ክንደይ ጅግና ክንደይ በጽሒ ድያ ብዘይ ሓድጊ በጃ ሓሊፉ፣ ኣነ ደኣ ስመይ ዘልዕሉ ዕንባባታት እኳ ወሊደ።” ብምባል ንገዛኣ ርእሱ ኣብ ዓሚቚ ተዘክሮ ኣተወ፣ “ብዝዀነ ሕጂ ቁሪ ኣይንወቓዕ፣ ንእሽቶ ነዕርፍ፣ ናይቲ ትብሎ ዘሎኻ መብጽዓ ናይ ዓርክኻ ድማ ጸገም ዘሎዎ ኣይመስለንን፣ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ተብጽሓሉን ትፍጽመሉን፣ ኣብ ውሽጢ እዚ ከተማ ድዩኸ?” ‘’ኣይፋሉን፣ እቲ ዓዲ ካብዚ ከባቢ

ቁሩብ ርሕቕ ኢልካ ኢዩ፣ ለሰ ደምበ ኣንበሳ ዝብሃል ሰገነይቲ ሓሊፍካ ዘሎ ዓዲ ኢዩ፣ መገዲ ከይሃለዎስ ኣይተርፍን ኢዩ።” መለሰ ዕዘይ፣ “ለሰ ደምበ ኣንበሳ” ጸወዐ ሻርሕ፣ ነቲ

ምስ ጸላኢ ጭርጭር ዓበደ ዝተጻወተሉ ቦታ ዘኪሩ፣ “እወ! ኣብኡ ኢዩ፣” “ክገርመካ እቲ ቦታ ልክዕ ከም

ኣጻብዕቲ ኢደይ’የ ዝፈልጦ፣ ቀዳማይ መዕቆቢናን መወዳደቢናን’ዩ ነይሩ፣ ኣብ ዘመነ ገድሊ እቲ ዝነወሐ ዝዓስከርኩሉን ኣብ መወዳኣታ ከኣ ዝሰንከልኩሉን ቦታ’ዩ ኔሩ፣’’ ብምባል ቅርጽን ምስልን ናይቲ ከባቢ ቅጅል

ኢሉ እናተራእዮ፣ “ነቲ ከባቢ ትፈልጦ ኢኻ?” ዕዘይ

ኩሉ ነገራት ከም ዝሰለጦ ብታሕጓስ ሓተቶ፣ “እፈልጦ ጥራይ! ሰቡ። ኦሙ።

ስንጭሮኡ። በረኻኡ። እንስስኡ… ዝተረፈኒ የብለይን፣የግዳስ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ።” በለ ኣዕሚቑ እናስተንፈሰ፣

ሓቢሮም ክኸዱ ተሰማሚዖም ከኣ ነናብ መደቂሲኦም ሓለፉ፣ ዕዘይ ኩሉ ነገር ፈኺሱዎ ከይጸንሐ ድቃስ ወሰዶ፣ ሻርሕ ግን ሰለም ኣየበለን፣ መን ወዲ መን’ዩ እቲ ሰብ። ክሳብ ክንድ’ዚ ዘሸግርን ዘጨንቕንከ እንታይ ዓይነት መብጸዓ’ዩ? ክሓስብ መሬት ምውጋሕ ኣበዮ፣ ብቐደሙ’ውን ብሳዕቤን ናይ ማህረምቲ ርእሱ ብሓገዝ መድሃኒት’ዩ ዝድቅስ፣

ድሕሪ ሳልስቲ ዕዘይ። ሻርሕን ቦኽሪ ጓሉ ዓለያን ነቲ ታሪኻዊ መገሻ ንምፍጻም ብሓባር ነቐሉ፣

መገዲ ዘይከምቲ ዝፈርሁዎን ካብ ኣስመራ ድሕሪ ናይ ክልተ ስዓትን ርቦን ጉዕዞ ዓረት ሓሊፎም ማይ-ሓራሳት ኣተው፣ መኪና ኣብ ሓደ

ጸግዒ ኣንፈቶም ብኡ ንብኡ ንለሰ ደመበ ኣንበሳ ገበሩ፣ ኣካይዶኦም ብለመምታ ኢዩ፣ ሻርሕ ክልተ ኣብ ቱሽቱሹ ዝድግፍ ነዋሕቲ ናይ ዕንጨይቲ መራኹስ ኢዩ ሒዙ፣ ዕዘይን ዓለያን’ውን ናይ ጉዕዞ ልምዲ ስለ ዘይነበሮም ካብኡ ዝሕሹ ኣይኰኑን፣ ነቲ ስቡሕ ለስ ግራት ዓፋፋን ወዲኦም ኣብ ንእሽቶ ኩጀት ተጸግዑ፣ ንእሽቶ ምስ ከዱ ኣብ የማናይ ኣንፈት ናይቲ ዝነበሩዎ መገዲ ሓደ ኣብ ዕብይ ዝበሉ ኣድጊ ዝሓዙ ኣቦ ተጓነፉዎም፣ ሰላምታ ተለዋወጡ፣ “ካብ ኣይቲ ዝመጻኹም ኢኹም?

ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር ደቂ’ዚ ዓዲስ ኣይኰንኩምን።” ሓተቱ እቶም ሰብኣይ ፍሽኽ እናበሉ፣ “ኣይተጋገኹምን ኣቦ፣ ካብ ኣስመራ

ዝመጻና ኣጋይሽ ኢና መለሰ ሻርሕ፣“እሞ ጋሻ ደኣ ካብ መኣስ ብዘይ

መራሒ መገዲ ይጓዓዝ፣ ደሓር ከኣ ካብ ኣስመራ ዝኣክል መጺእኩምሲ ነዚ ስንኩል ዝኸውን እኳ ገለ መሳለዪ` ኣይትሕዙን፣ ናብ ኣይቲ ኢኹምከ ደሊኹም?” ተመሊሶም ሓተቱ ነቲ ከቢድ ስንክልና ሻርሕ ብዓይኒ ርህራሀ እናጠመቱ፣ “ናብዚ ማዕዶና ዘሎ ዓዲ ለሰ ደምበ

ኣንበሳ ኢና፣ ቀረባ ኢዩ ኢልና ኢና ዕሽሽ ኢልናዮ፣”

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ። “በሉ ሰብ ኣበይ ይፈልጦን ኣበይ ይረኽቦን ኣይብሃልን ኢዩ፣ ኣነ ቀሺ ምሑር ኪዳነማርያም እየ ዝብሃል፣ በዓል ዝባን ላዕላይ ዓዲ ኢየ፣ ሕጂ ድማ ኣምላኽ ባዕሉ ኣጸቢቑዎ ሓደ’ዩ መገድና፣ ንዓ ቁሩብ ሓገዝ እንተዀንካ ኣብዛ ኣድጊ ተሰቐል፣ ሓላል ውላድ ሰብ ኢያ።” በሉ። ወዲ ሽፋ ንኽስቀል ጠይቂ ናይታ ኣድጊ እናመዓራረይሉ፣ ወዲ ሽፋ ቃል-ዓለም ኣይገበረን ቀልጢፉ ዝተባህሎ ገበረ፣ “ብማዕዶ ዲኹም ትፈልጡዎ ዋላ

ረጊጽኩሞ ትፈልጡ ኢኹም?” ሓተቱ እቶም ቀሺ፣ “እዚ ሓወይ እኳ ካብ ወጻኢ ዓዲ’ዩ

መጺኡ፣ ኣነ ድማ ተጋዳላይ’የ፣

ከሰንዮ ኣየ መጺአ፣” “ካብዞም ኣብዚ ከባቢ ዝነበሩ

ተጋደልቲ እኳ ትኸውን?” “ኢሂናይ ደኣ!” ‘’ካበየኖት ደኣ ኴንኳ ወደይ

ጀማሂርዶ ዋላስ ባዶ ሽዱሽተ? ሓያለይ ዓመታት ብድሆ ሽማግለ ኰይነ ምስኦም ሰሪሐ’የ፣”

ሻርሕ ካብ ቃላቶም መን ምዃኖም ብኡ ንብኡ ኣለለዮም፣ “ኣነ’ኳ ቁሩብ ተደናጊረ እምበር ሕጂስ ኣለልየኩም ኣሎኹ፣ ኣነ ከኣ ካብ ሓይሊ ባርዕ እየ!” ድማ በሎም፣

ቀሺ ምሑር ኩሉ ነገር ናጤባ ኰኖም፣ “ኣንታ ወደይ ነዚ በረኻ’ዚ ዘይፈልጦን ዘይረገጾን ሰብ ደፊሩ ከም ዘይሓልፎስ ኣይስሓትኩዎን፣ እንተዀነ ግን ካብ ሓይሊ ባርዕ ደኣ… መኒኦም ኴንካ? ኤእ ኣይተሕጣኣኒ። ግዜ ነዊሑ። ደሓር ከኣ ሰብዓ ሰማንያ ጎበዝ ክትዝክር ከቢድ’ዩ።” በሉ ኣቃውማ ናይታ ሓይሊ ኣብ ኣዒንቶም እናተመላለሶም፣

ሰብዓ ሰማንያ ጎበዝ ክትዝክር እኳ ዝከኣል ኣይኰነን። ገለ ፍሉጣት ቀጻሊ ምስ ህዝብን ምሳኹምን ዝራኸቡ ዝነበሩ ግን ዝርሳዕ ኣይመስለንን።” በለ መገዲ ንኽትሕዞም እናፈተነ፣ “እንድዒ ወደይ ዘይርሳዕ ዝመስል

ዝነበረ ረሲዕናዮ፣ ድሕሪ ናጽነት ኩሉ ኣብ ውራዩን ስራሑን ምስ ተጸምደ፣ “ኣብ ሓይሊ ባርዕ ካብ ዝነበሩ

ሓለፍቲ መነ-መን ትዝክሩ?” “ኣይ! ክንደይ ክንብሎም መራሕቲ

ሓይሎም መራሕቲ ጋንታኦም፣ በዓል ጠዓመ ወደስካለ። ገብረሃንስ ወዲ ሮማ። በሽር ማንጁስ ኤእ… እንድዒ ወደይ በዓል ኮምሽነር ሐይሊ ዝነበረ ወዲ ሽፋ፣”

ሻርሕ ስሙን ስም ፍትዋት ብጾቱን ምስ ተላዕለ። ከም ብርቱዕ ነዝሪ ኤለትሪክ ምሉእ ኣካላቱ ተዘዝ ክብል ተሰምዖ፣ ገለ ካብቶም ቀሺ ምሑር ዝጠቐሶም ገዳይም ኣባላት ባርዕ ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልሲ ዝተሰውኡ ኢዮም፣ ሻርሕ ንኹሉ ስምዒታቱ ብምቁጽጻር፣ “ናይዞም ዝጠቐስኩዎም ብጾት ደሃይ ገለ ኣለኩም’ዶ?” ሓተተ ህድእ ኢሉ ስምዒቱ ክቆጻጸር እናፈተነ፣ “ገሊኦም ተሰዊኦም ገሊኦም ኣሎው

ንሰምዕ፣ ብኣካል ዝረኣናዮ ግን የለን፣ ገብረሃንስ ወዲ ሮማ ኣብ ኳዓቲት። በሽር ማንጁስ ኣብ ውግእ ባጽዕ ከም ዝተሰውኡ ሰሚዕና፣ ወደስካለ እኮ ኣሎ ይብሉዎ፣ በቃ ከም ዘይንፋለጥ ብሓደ ከም ዘይበላዕና ከም ዘይሰተናን ተረሓሒቕና፣ ክንደይ ጅግና ኣብ ማእከል ህዝቢ ምስ ኣተወ ናብራ ወጢጡዎ። ተኣምር ታሪኽ ዝሰርሓሉ ክቡር ቦታ ተመሊሱ ክነግዶ ኣይከኣለን።’’ በሉ ብሓውሲ ነቐፌታ፣“ደሃይ ሻርሕ ወዲ ሽፋኸ?” ክብል

ከም እንደገና ተወከሶም፣ “ኡፍ … ደሃይ ሻርሕ እሞ እንድዕሉ

ኣቦኻ። ኣየ! ጉብዝና ኣየ ቁመት! ኣየ ግርማ! ብሓቂ ኣደ ወሊዳ ትምከን ትብሎ ጅግና ከምኡ ዓይነት ሰብ ጥራይ ኢዩ፣ ከይዱ ኣየደክም ተኲሱ ኣይርብርብ እንድዒ እንታይ’ሞ… እንታይ’ሞ… ጥይት ጅግና እንዶ ተሓሪ ኰይና።” ብምባል ዝን በሉ፣

ወዲ ሽፋ ካብ ዓይኑን ኣፍንጭኡን ጸረር ዝብል ዝነበረ ንብዓት ደጋጊሙ ድሕሪ ምሕባስ። “ኢሂ ኣባ ቐሲ ንሱከ ተሰዊኡ ድዩ?” ክብል ሕንቕንቕ እናበለ ሓተተ፣ “ወዲ ሰብ ልክዕ ከምታ ዝተወለዳ

ሰለስተ ሜትሮ ዓለባ ጌርካ ኣብታ ጻድቕን ሓጥእን ብማዕረ እትጸውር ጉድጓድ ከይሰዃዕካዮ ዘይቅበጽ ኰይኑ

እታ ሰዓት

ሓጻር ዛንታብሚኪኤል እምባየ

እምበር። እንታይ ተሪፍዎ። ሻርሕ ካብ ይህሉ ደኾን ክትብሎ ተሰዊኡ ክትብል ይቐልል፣ ግና ሓመድ ኣዳም ለቢሱ’ዩ ብጭቡጥ ተሰዊኡ ዝብል ከይሰማዕካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ከቢድ ኢዩ፣”

ዓለያ ጓል ሽፋ ኣብ መንጎ ዘረባኦም ኣትያ። “ከም ገለ እንተ ትረኽቡዎስ መለለኹሞ’ዶ መስለኩም?” ዓይኒ ዓይኒ ኣቦኣ እናጠመተት ተወከሰቶም፣ “እንድዒ’ዛ ጓለይ ጌጋ ይኽለኣለይ

እምበር ኣይምጋገኹዎን መስለኒ፣ ልዕሊ ኩሉ በታ ኣብ ክሳዱ ዝነበረት ገዛፍ ብሮት መለለኽዎ።” በሉ ክጋግይዎ ከም ዘይክእሉ ንምእማት፣ ዓለያ በቲ ኣዝዩ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ታሪኽ ኣቦኣ ሓበን እናተሰምዓ። ንቐሺ ምሕሩ እቲ ኣብታ ኣድጊ ተወጢሑ ዝነበረ ሻርሕ ከም ዝዀነ ንምሕባር። ብኣጻብዓ እናመልከተት “እሞ ንሱስ በሉ እነህልኩም!” ክትብል ነቲ ተሓቢኡዎም ዝጸንሐ ብስራት ደርጓሓትሎም፣

ይቕጽል

Page 5: Haddas Eritrea - June 18, 2009

5ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

4ይን መወዳእታ ክፋል

“ክነግረኪ ይግባኣኒ እኳ እንተነበረ። ኣብቲ ትንገረሉ ዕድመ ስለ ዘይበጻሕኪ ኮይነገርኩኺ ጸኒሐ፣ ብዝኾነ - ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን፣ ኣብቲ ነብስኺ ትፈልጥሉ ዕድመ ስለ ዘለኺ ብዙሕ ዘሰክፍ የብለይን፣ ብዝኾነ ታሪኽ ህይወትና ነዚ ይመስል፣ ሕጂ ኣነ ብዙሕ ዝሓሰበሉን ዝጉህየሉን ነገር የብለይን፣ ምኽንያቱ ንስኺ ንዓይ ህያብ ኢኺ፣ ህያብ ከኣ ህያብ’ዩ፣” ሃና ኣብ ሰለፋ ኣደቂሳ ነቲ ብንጭርጭር ዝበለ ጸጉሪ-ርእሳ እናኣከበት ሓኸኸታ፣ ባህ ዝበላ ፍዮሪ- ኣብ ሓሳብ ኣትያ ብውሽጣ ተዕለብጥ ነይራ፣“ፍዮሪ። ሓንቲ ግራም ወርቂ ናትካ

ክንዲ ብዙሕ ከይረኣኻ ሽሕ ግራም ወርቂ ከተናዲ ሃተምተም እንተድኣ ኢልካ። ኣብ ሽሕ ህጉም ናይ ጌጋ ኢኻ ትኣቱ፣ ተመስገን ዋጋ ኣለዋ፣ ረዚን ዋጋ፣ ስለ’ዚ ተመስገን ክንብል ኣለና፣ ኣነ ንዓኺ ረኺበ፣ ንስኺ ከኣ ንዓይ ብምርካብኪ፣ ነዚ ናትና ጸጋ ዝስኣንዎ ሰባት እኳ ኣለው፣ ኣብ ዓለም ከኣ ምስጢር ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን፣ ስለ’ዚ ጽባሕ ንግሆ ክጋሃድ ምዃኑ ኣይትስሓቲ፣ ነዚ ተረዲእኪ ትዕግስቲ ክትገብሪ ፈትኒ፣ እታ ካባኺ ዝደልያ እዚኣ ጥራይ’ያ፣” ኣዲኣ ክትብላን - ፍዮሪ ንብዓታ ከተውሕዝን ብሓደ፣ “ንሱ ድኣ ጽቡቕ ኣለኺ፣ ግን ቁሩብ

ሕርክርክ ይብለካ’ዩ ኣንቲ ማማ…” ንብዓታ ደሪዛ ናብ ልባ ተመልሰት፣ “እቲ ምቕሓር ንዓይ ጥራይ ክስማዓኒ ኢየ ዝደሊ፣ ልብኺ ንጽልኢ ወይ ቕርሕንቲ ቦታ ኣይትሃብዮ፣ ብዘይቀልዓለም ኣብ ልዕሊ ኣቦኺ ሕማቕ ክስማዓኪ ኣይደልይን’የ፣ ስለ’ዚ ዝኾነ ሕርክርክ ዘብል የብልክን፣ እቲ ጸገም ኣባይ ጥራይ ተሓጺሩ ክተርፍ’የ ዝደሊ፣” ምስ በለታ ብኽሳዳ ሒዛ ኮፍ ኣቢላ ናብቲ ኣብ መንደቕ ዝተሰቕለ ናይ ቀደም ስእላ ኣመልከተትላ፣ “ርኣይዮ እዛ ጓለይ ስእለይ እንታይ ይመስል ነይሩ፣ “በለታ-ብስምዒት፣

ክሳብ ክንደይ መልክዓ ተደዊኑ ዘይምሱል መሲላ ከምዘላ ምስ ፈለጠት ብልባ ሓዘነት፣ “ንዓኺ ጥራይ መዓስ ኮይነ በዲልኪ፣ ንዓይ’ውን ዝሓደገለይ የብሉን፣ ብኡነት!... ብልቢ ክነግረኪ ሞይቱ እንተበሉኒ’ውን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣይምወዓልኩን፣” ልቢ ዝሰብር ቃላት ደርብያትላ ብድድ ኢላ ተንሲኣ - ናብ ውሽጢ ገዛ ገጻ ተመርቀፈት፣ ሃና። ፍዮሪ ሓንሳብ ምስ ሓረቐት ንኽትመልሳ ነዊሕ ግዜ ከምዝወስደላ ስለ እትፈልጥ። ነቲ ዘልዕለኦ ዘረባ ኣቋሪጻ ናብ ስርሓ ተጸምደት፣

ኣብ ህይወትካ ፍቕሪ ክትውንን ዓቢ ዕድል’ዩ፣ ብምሉእ ልብኻ ቀኒዕካ ትጓዓዞ ፍቕሪ ዘይነጽፍ ሰረት ከም ዝህልዎ ርዱእ ኢዩ፣ ፍዮሪ። ኣቦኣ ክመጻ ወይ ብዓይና ክትርእዮ እኳ

እንተነበረ ናይ ፈለማ ትምኒታ። ድሓር ግን ናይ ኣብኣ ተግባራት ምስ ሰምዓቶ ኣብ ዓይኒ ጽልኢ ኢያ ኣብ ሓንጎላ ኣእትያቶ፣ እቲ ሰረት ዘይሓዘ ፍቕሪ ናይ ኣቦኣ ከም ወላዲ ዓስቡ ክረክብ ዘይኮነስ። እቲ ዝኣበሶ ማህደር ተገንጺሉ ክቃላዕ ተማህለለት፣ ይኹን ድኣ’ምበር ኣዲኣ። ፍዮሪ ንኣቦኣ ብዓይኒ ጽልኢ ንኸይትሪኦ ብዝመዓደታ ማዕዳ ተዓጊሳ ኢያ ህይወታ ክትመርሕን ክትኣልን በቒዓ፣

ዋላ’ኳ ሃና ብዛዕባ ሽግር ኣቦ ጓላ ትፈልጦ ነገር ኣይሃልዋ እምበር። ንጽህናኣ ኣሚና ዝቕበላ ሰብ ስለ ዘይረከበት’ያ። በቲ ሕማቕ ዕድላ ኣምሪራ ዝሓዘነት፣ ናይ ውሽጣ ሽግር ኣብ ቅድሚ ውላዳ ኣንጸባሪቓቶ ኣይትፈልጥን፣ ብኸምዚ እናተኻናኸነት ኢያ ብሕንቃቐ ኣዕብያታ፣ ፍዮሪ ግን ሽሕ’ኳ ኣመና ሕንቅቕትን ተፈራሂትን እንተነበረት። ወላዲታ ካብ ስነ-ስነ-ስርዓት ወጻኢ ክትከይድ ኣየፍቀደትላን፣ ንሳ’ውን ብዓንዲ ርእሱ ናብራን ሕሉፍ ሂወትን ወላዲታ ኣብ ውሽጢ ከርሳ ኣትዩ ፍሉይ ስምዒት ስለ ዘሕደረላ - ኣይተቐበለቶን፣

ሃና። ከም ሓጺን ዝተረረ እምነት ኣብ ፈጣሪ ዘለዋ ኢያ፣ ምናልባት ዕድሎታ ኮይና እምበር። ኣብ ቃል-ኪዳና እምንቲ ኮይና ትነብር ሰበይቲ ምኾነት ነይራ ዝብል እምነት ብዙሓት ከምዝነበረ’ዩ ዝዝረብ፣ ኮይኑ ግን ዋላ’ኳ እቲ እምነት እንተነበረ ብምኽንያት ጽባቐ መልክዓ ፈተና ሰይጣን ክተርፍ እንተዘይካኣለ። ኣብ ዝኸደት እንተኸደት’ውን ኣዒንቲ ጓላ ኣብ ሕማቕ ከይወድቃ ካብ ምጥንቃቕ እፎይ ኢላ ኣይትፈልጥን፣ ኣብ ልዕሊ ወለዳ ሕማቕ ስሚዒት ንኸይተሕድር ብዝገበረቶ ጥንቁቕ ሓልዮት ፍዮሪ ኣብ ህይወት ጽቡቕ ገስጊሳ፣

ሃና ንኹሉ ዘጋጠማ በደላ ንግዜ ኢያ ትገድፎ፣ ግዜ ባዕሉ ንኹሉ ሕልምታትን ባህግታትን መልሲ ዝረኽበሉ ወቕቲ ክህሉ ኢዩ ኢላ ስለ ትጽበ፣ እቲ ዝለዓለ ትምኒት ብዛዕብኡ ኢዩ፣ ቤታ ብተደጋጋሚ እናተራሕወ እንጌራ ዘናደየትሉ እዋን ሓሊፉ። ሰላም ክትነብር ዝነበራ ተስፋ ልዑል’ዩ፣ ከምዚ እናበለት’ያ ንፍዮሪ ብስነ-ስርዓት እናዅስኮሰት ጽቡቕ ዕድል ክፈጥረላ ትጽዕት ነይራ፣ ምናልባት መበገሲ ወይ ጠንቂ ዘይብለን ኣብ ምንዝርና ዝዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ ብቁጽሪ ሒደት’የን እኳ እንተዘይተባህላ። ዝበዝሓ ግን ኣብ ምንባርን ምቕጻልን ዘሎ ድሌት’ዩ ደራኺ ሓይሊ ዝኾነን፣

ናይ ዓለም መንብሮ ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ። ሃና ኩሉ ግዜ ብተስፋ እናተማህለለት ትነብር፣ ሓደ-ሓደ እዋን ከቢድ ሕልሚ ትሓልመሉን ሃተፍተፍ ትብለሉን እዋን እኳ እንተነበረ።

መብዛሕትኡ ሕልማ ቅልጡፍ ክውን ክኸውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኢያ ትብህግ ነይራ፣ ብጻዕራ ድማ ህላውነታ ኣረጋጊጻ፣ እቲ ኣብ በሪኽ ደይባ ሩፍታ ክትረክብ ዝነበራ ሕልምን ተስፋን። ሕልምን ተስፋን ኮይኑ ኣይተረፈን፣ ብኡ መጠን እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ብርሃን ደምቀቱ እናተኾልዐ ከደ፣ ጉዕዞ ህይወታ ንኽትቅጽል ካብ ዝሓገዝዋ ነገራት እንተነይሮም ኣብ ጉዑዞ ህይወት ዝተኸተለቶ ጥንቃቐ’ዩ፣

ብሓጺሩ ንትርጉም ምንባር ተገዛኢት ኣይነበረትን፣ ከምቲ “ዝጸዓረ ይዕወት “ዝብል ቁም ነገር ዝሓዘለ ጥቕሲ። ኣነ’ውን ምስቲ ቃላት ይሰማማዕ’የ፣ ምኽንያቱ ብዘይ ዝኾነ ናይ ህይወት ብድሆ ዝርከብ ራህዋ ስለዘየለ፣ ነዚ መስገደል’ዚ ርእያ ዝሓለፈት ህይወት ከኣ ኢያ ናይ ብሓቂ ህይወት ተስተማቕር፣ “ህይወት ድሕሪ ሽግር’ያ ዓወት እትጓናጸፍ” ዝብል ዘረባ መምህረይ ኩሉ ግዜ ኢዩ ትዝ ዝብለኒ፣ ህይወት ንሱ ስለ ዝኾነ ዋጋ፣

ሃና ምንባራ ቀጺላ፣ ነቲ ከውሒ ህይወት ሰይራን ሰጊራን ዘሪአ ክትነብር ዝፈተነቶ ፈተነ ተዓዊቱ፣ ክትነብር ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምንባራ ህይወት ኣውሒሳ፣ ከምቲ “ህይወት ንኹሉ እወንታዊ ስምዒታት ብእትኸፍሎ ዋጋ ጥራይ ዘይኮነ። ብመንፈስን ሕልናን’ያ ትዓግብ፣” ዝተባህለ። ሃና’ውን ባህግታታ ዝጋሃደሉ ግዜ ክትሓልም እንከላ ዝሓድራ ዝነበረ ስክፍታ ተቐንጢጡ። ድሮ’ውን ናብቲ ዝቕጽል ሰላም ህይወት ረጊጻ ናብራ ትመርሕ ኣላ፣

ሓደ ረፍዲ’ዩ፣ ክልተ ኣጋይሽ ሃንደበት ናብ ቤት-ጽሕፈት ፍዮሪ ኣተዋ፣ ደኒና ድሕሪ ምጽናሕ ቅንዕ ኢላ ጠመተተን፣ ምውቕ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጠን ዋላ’ኳ ወቃበ

ወጅሃተን ወቃሕ እንተበላ። እናተፈለጣ ኢያ ሓንጐፋይ ኢላ ተቐቢላተን፣ “ኣነ ኣስመረት ይባሃል፣ እዚ ከኣ ሓብተይ’ያ፣ ኣኽበረት ኢዩ ሽማ፣” ድሕሪ ምባል ኮፍ መበሊኣ ኣጣጥሐት፣ ምስኣ ዘረባ ስለ ዘለወን ክላዘባ ከም ዝጸመጻ ኢያ ነጊራታ፣ “እንታይ ናይ ድሓን?” በለተን ክብልኣ ዝደልያ እናተረድኣን እናጠርጠረተንን፣ “ናይ ድሓን ኢና ቤተ-ሰብ ስለ ዝኾና

ክንፋለጥ ደሊና?” በለታ እታ ፈለማ ዝስማ ዝነገረታ ኣስመረት፣ “ሕራይ ቀጽላ እቲ ክትብልኦ እትደልያ?” ብምባል ዘረብአን ክትሰምዕ ጽን በለት፣ “ምናልባት ኣቐዲምና ክንገብሮ ዝግብኣና እኳ እንተነበረ እንታይ ከምዝዓሸረና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ብዝኾነ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ኣይገበርናዮን ጌጋ ከምዝገበርና ንፈልጥ ኢና፣” በለት ኣኽበረት ብጊድኣ፣ ፍዮሪ ነዊሕ ድሕሪ ምስትንፋሳ። ውሽጣ ብርጉእ መንፈስ

ደሪኻ ትም ኢላ ክትሰምዐን ተገዲዳ፣ “ሕጂ ንሕና ቤተ-ሰብኪ ኢና፣

ርሑቕ ዘይኮነ ናይ ቀረባ ኣዝማድኪ፣ ክልቲና ኣሓት ኣቦኺ ኢና፣ ምናልባት ተረዲኢኪ ይኸውን። ማለት ሕብርናን ደምናን ንዓኺ ስለ እንመስል፣ ኣቦና’ውን ምሳኺ ክንራኸብ ከምዘለና ስለ ዝነገረና ኢና ከም ሓብትናን ስጋናን መጠን ክንፋለጠኪ መጺእና “ብምባል ዝርዝር ኣቢለን ብዛዕባ ስድራ-ቤታ ኣጻወትኣ፣ ስቕ ኢላ ክትሰምዐ ዝወዓለት ፍዮሪ ” ግን እዚ ትበላኒ ዘለኽን ዛንታ ሓድሽ ኢዩ፣ ምኽንያቱ። ብዛዕባ ህይወቱ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ኣይፈልጥን’የ፣” በለተን፣

ክልቲአን ደንጊጸን ተጠማመታ፣ መልሳ ልዕሊ ትጽቢተን ስለ ዝኾነ ዕንድ በላ፣ “ኣነ ከም ዝመስለኒ ኣዴኻ ኢያ እዚ ኣቦኻ ኢዩ ኢላ ትህበካ፣ ኣደይ ከኣ ኣቦይ ብህይወት ከምዘየለ ኢያ ነጊራትኒ፣ ስለ’ዚ ኣነ ኣቦይ የብለይን፣ “እናፈለጠት። ዘይፈለጠት መሲላ መለሰትለን፣ ” ፍዮሪ እንታይ ትብሊ ኣለኺ? ከመይ ጌርኪ ከምኡ ትብሊ። ኣቦኺ ከምዘየለ ኣዴኺ ድኣ ከመይ ጌራ ፈሊጣ? ብናይ ሕርቃን ስሚዒት ተገምጢለን ሓተተኣ፣ ህላውነቱ ስለ ዘይትፈልጥ ብዘይ ሕብእብእ ሓጺር ምላሽ ሃበተን፣ “እንታይ ኮይና ዘይትፈልጥ፣ ንስኺ-

ንእሽተይ ከለኺ ሒዛትኪ መጺኣ ነይራ እንድያ - ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ሞት ኣቦይ መጺኣ ነይራ፣ ምህላውን ዘይምህላውን ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ዶ ኣይኮነትን መጺኣ፣” ትስፉው ምላሽ እንተሃበተን መንገዲ ኣርሓዋላ፣ “ጽቡቕ ዘረባ ኣምጺእኺ ኣዴኽን ዝገበረታ ትፈልጣ’ዶ ንስካትኽን ንገዛእ ርእስኽን፣ ኣደይ እኳ ጓል ሰብ ኢያ፣

ግን ብሰንኪ ንዓይ ምውላዳ ክብረት ከሊኣታ ኣዴኽን፣ ጸገም ኣይኮነን ምናልባት ኣብ ደቃ ከይርኣየቶ ኣይትተርፍን ትኸውን” ጨደረት ፍዮሪ፣“ኖኖ..እ እዚ ትብልዮ ዘለኺ፣ ንሕና

ኣይንፈልጦን ኢና፣ ኣደይ ከምኡ ኣይትገብርን’ያ፣ ኣዴኺ ግን ሕማቕ ሚሂራትኪ…” ምስበላኣ ዘረብአን ከይወድኣ ከለዋ። “ዋእ! እዚ ዘይመስል’ዩ፣ ካብ ኣይሰማዕናን ኣይገበርናዮን ተጋጊና ምባል ይቐርብ፣ ድሓር ከኣ ኣደይ ንዓይ ሕማቕ ሚሂራትኒ ኣይትፈልጥን፣ ሕማቕ እንተትምህረኒ ኣብዚ በጺሓዮ ዘለኹ ደረጃ ኣይ ምበጻሕኩን፣” ፍዮሪ ተጸዊጋ ጠመተተን ንኽልቲአን፣ “ካብዚ ንላዕሊ ክብሎ ዝደሊ ነገር

የብለይን፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ እዚ ኣቦኺ ኢዩ ትብላኒ ዘለኽን ሰብ ዋላ’ውን እንተዀነ ብፍጹም ኣቦይ ኢለ ዝቕበለሉ ምኽንያት የለን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ

ነታ ንዕኡ ዝወለደት ኣዲኡ ክርእያ ኣይደልን’የ፣” ንድሕሪት ገጻ ተዓጺፋ ኣዕሪፉ ኣስተንፈሰት፣ ” ንምንታይ ግን ክሳብ ክንዲ’ዚ ተማርሪ?” ሐተተት ኣስመረት ሕማቕ ስለ ዝተሰምዓ፣ ” ኣየማረርኩን ዘማርር’ውን የብለይን፣” ድሕሪ ምባል ዝን ኢላ ሓሰበት፣ “እንታይ ድዩ መስለክን ንዓይ ክንዲ

ኣቦይን ኣደይን ኮይና ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዘብጽሓትኒ ኣደ ኣላትኒ፣ ኣደይ ከኣ ንዓይ ኹሉ ነገር ኢያ፣ ስለ’ዚ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣቦይ ዘናድየሉ ምኽንያት የብለይን፣ ብሓጺሩ። ኣደይ እዚ ኢዩ ኣቦኺ ኢላ ክሳብ ዘይሃበትኒ ኣነ ከኣ ኣቦይ ኢለ ዝቕበለሉ ምኽንያት የብለይን፣” ኢላ ፍዮሪ ከይወደአት እንከላ “ንሕና እኮ ኣሕዋት ክንኮነኪ ኢና መጺእና፣” በለታ ሕጂ’ውን ኣኽበረት ብወገና፣

ፍዮሪ ሓውሲ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል “እዚ ድኣ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ፣ እቲ ትብላሉ ግዜ ሓሊፉ፣ ሕጂ ዘይኮነ ክፍጠር ከለኹ ኢዩ፣ ብዝኾነ ቁስለይ ክጉዳእ ኣይደልን’የ፣ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ፣ ኣብ ጡፍእ ኣይትዛረብ ክፉእ’ዩ፣ “ምስ በልተን ንሳተን እውን ድሕሪ ተስፋ ምቁራጽ ዝግበር ነገር ከምዘየለ ምስ ተረድአን ብዘይ ሓደ ምርድዳእን ፍረን ኢየን ተፈላልየን፣ እቲ ብዘይሕብእብእ ኣብ ጋህዲ ብርሃን ክውን ንምግባር ዘንቀደ ውዲተን ክዕወት ኣይከኣለን፣ ብሓጺሩ ፈተንአን ኣሚኑ ከእምን ዝተሓሰበ እኳ እንተነበረ ኣይኮነለንን፣

ኣብ ውሽጢ’ቲ ብስነ-ኣእምራዊ ጉጥያ ተጓዕጺጹ ዝተረፈ ዛንታ ድሒሩ ንምቕርራብ ዝገበርኦ ፈተነ ኣይሰለጠንን፣ ብዝኾነ። ዋላ’ኳ “ቀጺዑ ይሃብካ!” ዝብል ምስላን ኣቦታት እንተሎ። እታ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ነብሳ ናይ ጥርጣረ መንፈስ ኣሕዲራ ዘይትፈልጥ ፍዮሪ ናብ ዙሮትን ዕብዳንን ከየድሃበት። ክሕነን ክሽለምን ከይበለት’ያ። ካብ ሕሉፍ ህይወት ኣዲኣ ተማሂራ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ህይወት ግሩም ብዝኾነ ኣካይዳ ገስጊሳ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ብሕጊ ብዲግሪ ተመሪቓ፣ እንሆ ኣብ ጽቡቕ ስራሕ ኣትያ መነባብርኣ ትመርሕ ኣላ፣

ናይ ህይወት ብድሆታት ኣለሊኻ ኣድላይ ስጉምቲ ምውሳድ ህይወታዊ ብልሓት’ዩ፣ ሃና እውን ካብዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት ኣይደሓረትን፣ ተቐንዝያ። ተሳቕያ። ይኹን’ምበር እቲ ቃንዛኣን ስቅያታን ኣብ ለውጥን ኣብቲ ትደልዮ ሰናይ ትምኒትን’ዩ ኣብጺሕዋ፣ ስለምንታይ ግዜ ምስ ገጻት ዓለም ዝሕዛእ ዛራ ህይወት ስለ ዝኾነ፣ በዚ ድማ’ዩ ርጉእ ህይወት ኣብ ርግኣት በጺሑ፣ እቲ ዘይውዳእ ተስፋኣ ሃና ከኣ ተስፋ ኢዩ ወሊዱ፣ ከምቲ ትትምነዮ ዝነበረት ድማ ፍዮሪ ኣብ ሓዳር ዓለም ኣትያ ሊላይ ሓዳር መስሪታ። ሕጉስ ህይወት ተሕልፍ ኣላ፣

ከምቲ ኣበባኣን ፍሪኣን ክርእዮ ዝተሃንጠዩ። ኣብ ዕለተ ጋምኣ “ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም” ኢሎም መሪቖምዋ፣ ትምኒትን ባህግን ሓያል ከም ምዃኑ መጠን እንሆ ናይቲ ልባዊ ምረቓ ራሕሲ። ፍዮሪ ጥራይ ዘይኮነት ሃና እውን እቲ ዝደለየቶ ሰሚሩላ እታ እንኮ ጓላ ልክዕ ከም ወላዲታ ጓል ተቦኵራ፣ እታ ነቲ ጽኑዕ እምነት ዝሕላገቱ ኪዳን ፍቕሪ ንምድራዕን ስንሰለት ንምጽናዕን ሆሳእና መዓልቲ ዝተወልደት ህጻን ‘ሆሳእና’ ሰምያታ፣

ብሓጺሩ ሃና ትምኒታ ሰሚሩ፣ ብፍረ-ማህጸና ድማ ተኻሒሳ፣ ክንዲ ዝኾነ’የ። “ጓል ኣመንዝራ-ኣመንዝራ ኣይኮነትን፣” ትብል ሓደ እዋን ጽሑፍ ጽሒፈ ነይረ፣ እንሆ ድማ እቲ ናይ ትማሊ ጽሑፍ ሎሚ ብግብሪ ክውን ኮይኑ፣ ብርግጽ ድማ ኣይኮነትን፣ እቲ-ምንታይ” ብንብዓት ዝዘርኡ ብእልልታ ይዓጽዱ “ከምዝበሃል። ብንብዓት ተዘሪኣ ኣብ እልልታ ስለ ዝተዓጸደት፣ በዚ መንጽር እዚ’ያ ድማ ፍዮሪ-ፍዮሪ ረኺባ፣ ፍዮሪ ክንዲ ዝኾነት!!

***

ፍዮሪ - ፍዮሪ ረኺባ

Page 6: Haddas Eritrea - June 18, 2009

6ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ኣዳለውቲ ምልክታ - ሄለን ዮናስ - ልዋም ተስፋሂወት

ምልክታታት ቤት ፍርዲ

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ሞግዚት ወ/ሮ ኢለን ዘርአ ሃብቱ። ናሆም ወንድሙ ነጋሽ ምባል ተሪፉ። ኣኽሊሉ ወንድሙ ነጋሽ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ት 6ይ መጋባእያ ቁ/41 ይቕረብ፣

ኣቶ ተወልደ በላይ ረዳ። ኣደይ ወ/ሮ ድንቅነሽ ፍላቲ ኪዳነ ስለዝሞተት። ኣነ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ገነት ተኽሎም መብራህቱ ምባል ተሪፉ። ኣማል ተኽሎም መብራህቱ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን02/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ

መጋባእያ ይቕረብ፣

ሰናይት ሳልሕ መሓመድ። ወላዲትና ወ/ሮ ሓዳስ ወልዳይ ሃይለ ስለዝሞተት። ወረስቲ ኣነ ምስ ሓወይ ጀማል መሓመድ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን02/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ሞንጎ ከሳሲ ሄኖክ ተኸስተ ተስፋሚካኤልን ተኸሳሲት ራሄል ረድዋን መሓመድን። ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲት ኣድራሽኣ ስለዘይተፈልጠ ን06/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ትቕረብ፣ ወ/ሮ መብራት ገብረትንሳኤ

ዑቅቡ። በዓል ቤተይ መምህር ተኽለኣብ መርእድ ሚካኤል ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣቶ ኣለም ኣርኣያ ኣለሙ። ወለድና ኣቶ ኣርኣያ ኣለሙ ላቀውን ወ/ሮ ትደግ መንግስትኣብ ንጉሰን ስለዝሞቱ። ወረስቲ ኣነ ምስ ክልተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ። ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ሰዓት 8።30 ቅ/ቀትሪ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ

መጋባእያ ይቕረብ፣

በሪኽ ወ/ሮ የሹ ኪዳነ ግደ። በዓል ቤተይ

ሌ/ኮነሬል የማነ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመድህን ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ወረስቲ ኣርባዕተ ደቅና ምዃኖም ክረጋገጸሎም። ናይ ትሕቲ ዕድመ ደቅና ድማ ናይ ሞግዚትነት ስልጣን ይወሃበኒ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ዓዲ-ዃላ ዝረኣዩ

ጉዳያትኣቶ የማነ ጎይትኦም

ወልደሩፋኤል ምባል ተሪፉ። የማነ ተስፋይ ወልደሩፋኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ጊንዳዕ ዝረኣዩ

ጉዳያት

ሓሊማ መሓመድ ዓሊ ስዒድ ምባል ተሪፉ። ሓሊማ ዓብዱ ስዒድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን23/06/09 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ቶኮምብያ

ዝረኣዩ ጉዳያትወ/ሮ ሶፍያ ተፈሪ ወልደገርግሽ።

በዓል ቤተይ ኣቶ ግርማይ በርሀ ቀለታ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሻምብቆ

ዝረኣዩ ጉዳያትወ/ሮ መዋስእቲ ማና። ወደይ

ሓድሽ በየነ በራኺ ስለዝተሰውአ። ወራሲት ኣነ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን25/06/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ ዓዲ-ተከሌዛን

ዝረኣዩ ጉዳያትወ/ሮ ኣመተ ሃብቱ ስባህቱ።

በዓል ቤተይ ኣቶ ማና ነጋሲ ሚኪኤል ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። 10 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ዘሐጉስ ብስራት ካብ ግሎሪ መዋእለ ህጻናትግሎሪ መዋእለ ህጻናት ካብ ዘዋህለሎ ሃናጺ ናይ ስራሕ ተመክሮ ብምብጋስ ብምዕቡል ሜላን ጹፉፍ

ኣተሓሕዛን ህጻናትን ተሰንዩ ምስ ምኩራት መማህራን ን ዓመተ ትምህርቲ 2009/2010 ሓደስቲ ህጻናት ምምዝጋብ ከምዝጀመረ ብሓጎስ ነበስር፣

ኣድራሻና።-ግሎሪ 1. ትራቨሎ ድሕሪ ኣልፋ ህንጻ ጎደና ባቕላ ቴሌፎን 154114/07175860ግሎሪ 2. ፊት ፍያት ታግሌሮ (ጎኒ ላንቺያ ነበር) ጎደና ሰማእታት ቴሌፎን። 200957/07175860

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታትካል ስርሓት ጨው ዓሰብ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት ዘማልኡ ዜጋታት ኣወዳዲሩ

ክቆጽር ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም፣

ሲንየር ኣካውንታንት ደረጃ ትምህርቲ - ቢ,ኤ ዲግሪ ወይ ዲፕሎማ ብኣካውንቲግ ተሞክሮ ስራሕ - ንዲግሪ ብውሑድ 1(ሓደ) ዓመት። ንዲፕሎማ ብውሑድ 4 (ኣርባዕተ) ዓመት ኣብ

ኣፍረይቲ ትካላት፣ዶሞዝ - ብናይ ትካልና ስኬል መሰረት ኮይኑ ብብዝሒ ግቡእ ተመክሮ ዝፈላሊ

ይኸውንብዝሒ - 2(ክልተ)ጾታ ኣይፈልን ቦታ - ዓሰብ ሓበሬታ።- 1. ተወዳደርቲ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ/ማ ወይ ዘይምልከቶም/ተን ክኾኑ ኣለዎም፣ 2. ኣብ መንግስታዊ ትካል ዝሰርሑ እንተኾይኖም ግቡእ መልቀቒ (Release paper)

ክህልዎም ይግባእ፣ 3. ትካል ንተዓወትቲ ናይ መንበሪ ገዛ ኣገልግሎት የቕርብ፣መመዝገቢ ቦታ።- ድሕሪ ፋብሪካ ሽጋራ ሞኖፖልዮ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤ/ጽሕፈትና ዘድሊ ፎቶ ኮፒ

ናይ መረዲኢታትን ብኢድ ዝተጻሕፈ C.V. ሒዝኩም ብምቕራብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምምዝጋብ ይከኣል፣ ንኣድላይ ሓበሬታ 117049 ወ/ሮ ርብቓ ኣርኣያ ምውካስ ይከኣል፣

ምስጋናብሞት ኩቡር በዓል ቤተይ ኣቶ

ጸጋይ ዳኘው ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ። ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ገዛን ኣብ ሆስፒታል ደምበ ሰንበል ተመላሊስኩም ዘጣየቕኩም። ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ክሳብ ትኹል ን/ዞባ ደቀምሓረ ብምኻድ ሓመድ ኣዳም ዘልበስኩምን ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና። ብፍላይ ሓካይም ደምበ ሰምበልን ተሓጋገዝቶምን ዝገበርኩምልና ምትሕብባር ብምምስጋን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ፣

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሉኡል ገብረክርስቶስምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ምስጋና ብሞት ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ

ኣቶ ኣባዲ ወልደገብሪኤል ገብሩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽኩ። ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተመላለስኩም ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተ-ሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና እናሓበርና ምስጋናና ነቕርብ፣

በዓልቲ ቤቱ ዘነበሽ ገብረማርያምምሉኣት ስድራ-ቤት

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታምምሕዳር ዞባ ማእከል ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ዝከውን ንብረት ብጨረታ ክዕድግ ብዕለት

27/05/09 መበል 18 ዓመት ጋዜጣ ሓዳሰ ኤርትራ ቁጽሪ 231 ዝወጸ ምልክታ ጨረታ ከም’ቲ ዝደለ ተጫረትቲ ክረክብ ስለዘይከኣለ። ንካልኣይ ግዜ ግቡእን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተወዳደርቲ ይዕድም፣1.ዓይነት ንብረት * ብሽክለታ ማውንቴን ባይክ ምስ ካልኦት ኣቑሑትን * ኮምፒዩተር ንኤዲትን እተገልግል ምስ ካልኦት ናውትን * ካሜራ ካኖን ዲጂታል ስቲል …ወዘተ2. ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ዞባ ማእከል ቁ.39 ክውሰድ ይከኣል፣3. ተጫረትቲ መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 5,000.00 (ቸክ ወይ ብሲ.ፒ.ኦ) የትሕዙ፣4. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብዝወጸሉ ዕለት ን10 መዓልታት ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ዘሎ

ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 10።00 ቅ/ቀትሪ ይኽፈት፣ምምሕዳርና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ክስርዝ መሰሉ ዝተሓለወ

ኢዩ፣

ምምሕዳር ዞባ ማእከል

ምልክታኮምሽን ኣባይቲ ዝሃበኒ ናይ ዋንነት መረጋገጺ ምስክር ወረቐት

ቁጽሪ 122448 መወከሲ ቁጽሪ 128971 ስለዝጠፍኣኒ። ረኺበዮ ኣለኹ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል ሰብ እንተሎ። ብቁጽሪ ቴሌፎን 07115433 ደዊሉ ከረኽበንን ክሕብረንን፣ እንተዘየለ ናብ ዝምልከቶ ቤ/ጽ ኣመልኪተ መተካእትኡ ክወሃበኒ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር፣

ፍቓዱ ዓንደመስቀል ዘርኢት

ምስጋናብመስዋእቲ ወድናን ሓውናን

ተጋዳላይ ገብረዬስ መስፍን ሃይለ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ዘቃበርኩምናን ከምኡ’ውን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዝሓብሓብኩምናን ዘጸናናዕኩምና። ፈተውትናን ኣሕዋትናን የቀንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና። ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ፣

ምሉኣት ስድራ-ቤት

}ch©M kDê !ቋ}cü †}´Dï› ‰M K[³²U ©öF©öF`©ö`§ ‹ÏDï †p }ÊDL ´sò oKAY ‰êDê –§{q qMBXoñ ቋ}cü †}´Dï› ‹KATE ›°MT K[³²Uq

©öF©öF „ï¥; ksï M‹�}¥q’¥ `©ö`§ ‹ÏDï }oKAY …›¥ Êp{ðq} …`dhDïq};†Mk…X‰]: oKAY `©ö`§ ‹ÏDï {š K[³²Uq ©öF©öF

mk–‘q }‹�[´Tg} …mk„ê }›²¹NM òLq ›Ï’]}: ÄÂ’D÷] ²ªïM kòq qMBXoñ cü}cü: K©mk qMBXoñ cü}cü †}´Dï› (Springboard English) …ªF£ …D÷;†sï K©mk mkM‰êVq KLBV}: sK|gñ KÄIÏq} M—

kéF …²lmk} }oKAY †|g]„} †|s|´•} mk†}´Dï› |§ M›Vmk: M]L—: M}lmk} MÃöHÏ} –iNM ‹mk smkFDê K©mk ]D›Œ�{: |§’ sï o·cMoñ }‹Œ�{ê: }‰�êD÷M oKAY} ‘D©ö} }ch©M }mkF;M›²l ›°MSDê —Dq:- [{ 15 2009qMBXoñ ›°MSDê —Dq:- [{ 22 2009 …©öV`|:- μ©| |iÍ, cë.²š:- 160 cë.]F‰ï: 08206543 (¹d Ðr Dêd]/ Ìq W©ö-[ï ]ÔXq ‹Dmk)

Page 7: Haddas Eritrea - June 18, 2009

7ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ምልክታታትምልክታ

ንኹሎም ሰብ ብርኪኤሪትራኮ ናይ ብርኪ ማሕበር

ሻሙናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰብ ብርኪ ኤሪትራኮ 27 ሰነ 2009 ሰዓት 8።00 ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ ክካየድ ተሰሪዑ ኣሎ፣ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ምልኣተ ጉባኤ እንተዘይተረኺቡ። ኣኼባ ኣብ ዝተጠቕሰ ቦታን ሰዓትን ዕለት 04 ሓምለ 2009 ብዝተረኽቡ ኣባላት ክካየድ ምዃኑ እናሓበርና።ኣብ’ዚ ጉባኤ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ተላዒሎም ክዝተየሎም ተሰሪዑ ስለዘሎ። ኩሉ በዓል ብርኪ ክሳተፍ ንዕድም፣

ኤሪትራኮ ናይ ብርኪ ማሕበር

CALL FOR EXPRESSION OF INTEREST FOR CLEANING SERVICES

The Delegation of the European Commission in Eritrea has the intention to conclude a service contract with a company for the provision of cleaning services for the Commission’s offi ce premises in Asmara.

Companies interested in participating with this tender can express their interest in writing to the following address:

Delegation of the European Commission to the State of EritreaPaola Amadei, Head of DelegationP.O. Box 5710Asmara, Eritrea

The deadline for the expression of participation in this tender is June 30, 2009 at 1800 hrs.

Page 8: Haddas Eritrea - June 18, 2009

8ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ምስጢር ባህሊ። ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ“ብመንፈስና ሳላ ዝተጋደልና። ከም

ህዝቢን ሃገርን ክንህሉን ክንቅጽልን ክኢልና!” ኢሉ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፣ ሓቁ’ዩ ጀነራል፣ መንፈስና’ዩ ተጋዲሉ፣

መንፈስና’ዩ ንጸላእትና ኣርዒዱ፣ መንፈስና’ዩ ንሓቂ ካብ ማዕሙቕ ጸላምን ሰልምን ጋህዲ ገይሩ፣ ህዝቢ ኤርትራ። ንናጽነቱ ኪቃለስ ምስ ወሰነ። እቲ ንሰብ ዘቐውም ስጋን መንፈስን። መንፈሱ ካብ ስጋኡ ክዕብልል። ብመንፈሱ ክረክእ እምበር ንስጋኡ ከየቐድም። ንመንፈሱ ኣወሃሂዱ። ጉዕዞ ገድሊ ፈሊምዎ፣ ብስጋኡን ናይ ስጋኡን እንተዝነብር ጉዕዞ ገድሊ። ስድሪ’ኳ ኣይምሰጎመን፣ ገድሊ። ተሓቢእካ ንምንባር ጥራይ ምዀነ፣ ገድሊ። ናብ ዕንደራን ባሳጆን ምተቐየረ፣ ናይ ስጋኡ ከናዲ ሃነፍ-ነፍ ምበለ፣ ሕልናኡ ሸይጡ መንፈሱ መብነነ፣ ናይ ስጋ ሕሱም’ዩ፣ የስድዕ፣ የረስዕ፣ ዘይናትካ የጠምት፣ ብወገነይ-ወገንካ ይፈላሊ፣ ናይ ስጋ። ስጋ’ዩ ዚቖጽር፣ ኪኖኡ ሓሊፉ። ማይ-ቤት’ዩ ዚጽብጽብ፣ ግራትን ማይ-ክዖን ዚኸፋፍል፣ ናይ ስጋ ንስጋ’ዩ፣ ስጋ። “እዛ ካብ ሓመድ ሰብ ዝዀነት። ተመሊሳ ናብ ሓመድ እትቕየር” ብኣእማን ተጸቒጣ ሽሻይ ፍልሖ እትኸውን። መዐሸዊት’ያ፣ ኣሕጣኢት፣ ምናዳ። ብስጋ ዚግዛእ ሕልና። ደው ኢሉ ዝሞተ ስጋ ለበስ’ዩ፣

ገድልን ህዝቢን ኤርትራ ግን። ስጋኡ ሓኺኹ። ስብሒ ውሽጢ ስጋኡ ኣምኪኹ። ብመንፈሱ። እታ መንፈሱ ጥራይ ንበይና። ኣብ ቅድሚ ሓውን ነበልባልን። ኣብ ቅድሚ መዳፍዕ ዚጎስዖም ቦምባታት። ኣብ ቅድሚ ብመሬትን ሰማይን ዚተፍእ ሃልሃልታን ረመጽን። ኣብ ቅድሚ ንጥፍኣቱ ዚወፍሩን ዘዋፍሩን ጸላእቱ። ኣብ ቅድሚ ኩሉ ባህርያዊ ተጻብኦ። ኣብ ቅድሚ ሞት ተገቲሩ። ጥምየትን ጽምኢን ተጻዊሩ። ምስ ዕሩቕ ዝባኑ። ምስ ዝጠልቅዐ ከብዱ። ንሞት በዲሁ ተዓዊቱ፣ ዓወቱ። ማዕረ’ቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ’ዩ፣ ዋጋ መስዋእቱ፣ መስዋእቲ ናይ’ቶም ካብ መንጎኡ ንሕና ክንቅድም። ኣብ ክንዳኻ ክንብጆ ዝበልዎ ደቁ፣ ናይ’ቶም ስጋኦም ሓኺኾም። መንፈሶም ዘወሃሃዱ ጀጋንኡ። ምሩጻት ናይ ምሩጻት። ሕሩያት ጻድቃናት፣ ምጽዳቕ እንታይ ድዩ?.. ኪኖ’ዚ’ኮ የልቦን ጽድቂ!.. ዕሽር ካብ ትሕዝቶኻ ሂብካ እኳ ዚጽደቕ!..

ከምኡ’ዶ ኣይኰነን ዚብል መጽሓፍ ቁርኣን?.. ብኸምኡ’ዶ ኣይኰነን ሰፊሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ?.. ንሶም ግዳ። እዛ ህይወቶም ከይበቐቑ። ብርሃን ኪህቡ። ሰላምን ቅሳነትን ከስፍኑ። ስለ ራህዋ ህዝቦም። ምእንቲ’ዛ ሓላል መሬቶም። ሓመዳ ቁሒሞም ዝዓበዩላ። ኣብ መንፈሶም ዝተቐረጸ ራእዪ ክውን ኪገብሩ። ጠኒኖም ናብ ሓዊ፣ ኣየስገኦምን ሃፈጽታ ሓዊ፣ ኣይደሃሎምን ጠራዕ-ራዕን ድምጽታትን ሃልሃልታ፣ ስጋኦምን ናይ ስጋኦምን ኣይነበረን ምስኦም፣ ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን መሊኡ’ዩ ነይሩ ኣብ መንፈሶም፣ ኣብ’ቲ ሓዊ። ስጋኦም ወዲቑ ክቕምርር ምዃኑ እናፈለጡ። መንፈሶም ምስ’ቲ ጽንካረ’ዩ ዚሰጥም፣ ሓይሊ መንፈሶም ልዕሊ’ቲ ሓጺኖም’ዩ ዚተርር፣ ኣሚኖም፣ ተኣማሚኖም፣ ብመንፈሱ ዝኣመነ ኮቶ ዚገጥሞ ሓይሊ የልቦን፣ “ዓወት ንሓፋሽ!” ዝእምነቶም። ንሳ’ያ’ታ ቃሎም፣ ኪጅምሩን ኪፍጽሙን - ኣልፋ’ዎ ኦሜጋ፣

ኣብ’ቲ ዓውደ ኲናት ዝኣጎዶ ሓዊ። ኣብ’ቲ ሰብ ምስ ሓጺነ-መጺን ዝራጸመሉ ውግእ ጥራይ ግን ኣይነበረን እምነትን ጽንዓትን መንፈሶም፣ ኣብ’ቲ ሲኦል ። ኣብ’ቲ ውሽጢ’ቲ ሰብ ዝፈጠሮ ገሃንበ-እሳት - ቤት ማእሰርቲ ተቐጥቂጦም፣ ደም ነዚዑ ኣካላቶም፣ ውሒዙ፣ ጨቂዩ፣ ሸቲቱ፣ ምስኡ ተላዊሶም፣ ውኖምን ሃለዋቶምን ክሳብ ዘጥፍኡ ኲርንኩሪት ተኣሲሮም። ብዂርማጅን ኳሬንቲን። በቲ ዝኸፍአ ተፈቲኖም፣ ብሓዊ ዝረሰነ መስፈ። ቁስሉ በሻዕ-ሻዕ ኣብ ዝበለ ኣካላቶም ቖቒሎሞም፣ ብጉጤት። ናይ ኢዶምን እግሮምን ኣጽፋር መንሽቶሞ፣ ሓንቲ ቃል ምስጢር ግን ኣየምሎቑን፣ እቲ ምንታይ። እቲ ዝደመየ ኣካላቶም። እቲ ብምሒር መግረፍቲ ዝተመናንሀ ስጋኦም። በጃ ኪኸውን ብዓንተብኡ ወሲኖም’ዮም፣ መንፈሶም። ኣብ ቅድሚ ዓረር ዝለጎመ ጠበናጁ። ኣብ ቅድሚ ናብ ግንባሮም ዝቐንዐ መትርየስ። ኣይተሳዕረን፣ ኣድሚጹ ግን መንፈሶም “ዓወት ንሓፋሽ!” ኣቃሊሑ፣

ርዝነት ናይ ምቅላስ መንፈስ። ረዚን ሓላፍነት’ዩ ዘሰክም፣ “ኣይረኣኹን።

ኣይሰማዕኩን። ኣይፈልጥን” ንዝበለ። ምስጢር ገድሉን ተጋድሎኡን ከይህብ። ምስ መንፈሱ ዝተመባጽዐ ህዝቢ። ህይወቱ። ንብረቱን ጥሪቱን ብሓዊ እናሃመኹዎ። ብነፈርትን መዳፍዕን እናደብደብዎ። ብጥይት ብሳንጃ እናቐተልዎ። ብስልኪ። ብገመድ እናሓነቕዎ። ኣይተንበርከኸሎምን፣ ኣይሰገደን፣ ኣይደነነን፣ ርእሱ ኣቕኒዑ። ኣፍልቡ ነፊሑ። ንኹሉ መከራ ጸላእቱ ተጻዊሩ። ብመንፈሱ ከይተረትዐ። ኣኽናፍ መንፈሱ ኣርጊፍዎም፣ ብመንፈስ ምቅላስ እምበኣር እዚ’ዩ፣ መንፈስ’ዚ ህዝቢ’ዚን ተጋድሎኡን፣ መለኮታዊ ሓይሊ’ዩ፣ ሓይሊ፣ ዘይጸዓድ። ዘይቁረን፣ እምባታት ዘፍርስ። ኣኻውሕ ዝጨድድ። ንዘይክኣል ዚኽእል፣ “ኩሉ ይክኣል’ዩ!” ኢሉ ዚኣምን፣ ነዚ እምነት’ዚ ዘብቅዕዎ። ንሶም እቶም ምእንታኡ ዚወደቑ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ መሬቱ ዝተዘርኡ። ብስጋን ናይ ስጋን ሓኺኽካ። ብመንፈስ ምቅላስ ዝመሃሩን ዘስተምሃሩን ሰማእታቱ፣ ብግብሪ። ሓይሊ-መንፈስ ክሳዕ ክንደይ ክብሪ ከም ዘለዎ ዘመስከሩ። ጀጋኑኡ። ጀጋኑ ታሪኽ። ጀጋኑ ህዝቢ፣ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋኦም - ሓወልቲ ሃኒጾም ዝሰፈሩ፣ ወትሩ ንምንቅስቓሱ ዝምእዝኑ። ዝሕልዉ። ዝድርኹ፣ እዚ እምነት’ዚ። እቲ ዝኸበረ እምነት ናይ’ዚ ህዝቢ’ዚ’ዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣማኒ’ዩ፣ እምነት’ዩ መለለይኡ፣ እምነቱ። ኣብ ክብርታት ባህልታቱ’ዩ ዝውቅሮ፣ ምስጢር ባህሊ ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ ድማ ኣብ’ዚ’ዩ ዚምስረት፣ ኣብ ኣኼባኡ። ኣብ ጉባኤታቱ። ኣብ ዋዕላታቱን ኣብ ኩሉ ዘካይዶም ንጥፈታቱን። ዝዀነሉ ምኽንያት እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝተገልጸ’ዩ፣ ኣብ ምጅማሩ። ኣብ ምዝዛሙ። ስለ ዝኽሮም ንሓደ ደቒቕ ደው ዝብል። ስለ ኣኽብሮቶም ኩሉ ኣብ ርእሱ ዚህሉ ጉልባብ ዚቐልዕ። ሰጥ ኢሉ ርእሱ ዘድንን። ኣብ’ታ ደቒቕ ምስኦም ብመንፈስ ንምርኻብ’ዩ፣ ኣብ’ታ ህሞት። ኣብ’ቲ ጸጥ ዝበለ ሃዋህው። ምስ ሕልናኡ ዚዛረብ፣ ከይጋገ። መስመሩ ከይስሕት። ኣሰሮም ረጊጹ ክውጥን። ዕላማኦም ጨቢጡ ክሕንጽጽን

ክትግብርን። ይምሕል፣ ማሕላኡ ኣብ ውሽጡ። ምስ ሕልናኡ ይገብሮ’ሞ። ድምጹ ክብ ኣቢሉ “ዓወት ንሓፋሽ!” ኢሉ መደባት ዕዮኡ ይፍልም፣

ምስጢር ባህሊ ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ። ኣብ ዘመነ-ገድሊ’ዩ ተኣታትዩ፣ እቲ ዝኸበረ ማሕላ። እቲ ከይተባህለ ዘይስገር መብጽዓ ንስውኣት እንኣትወሉ። ባህሊ ኰይኑ ዚሰረጸን ዚቕጽል ዘሎን’ዩ፣ ናህና። ናይ ኤርትራውያን ፍሉይ ባህሊ ኣኽብሮት ንስውኣትና እንህበሉ’ዩ፣ መዓልታዊ ናብ ስራሕ እንክንወፍር። እንክንድቅስን እንክንትንስእን። “ተመስገን” እንብሎ ንተመስገን እኮ ንዖኦም’ዩ፣ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ። ሰላምን ናጽነትን ዝፈጠሩ ስለ ዝዀኑ፣ ንዘይርአ ንኣምን ህዝቢ እንካብ ኮንና። ዓይንና ንዝረኣዮ ከመይ ዘይንኣምን?.. ደቂ ህዝቢ ንህዝቢ ክብጀዉ፣ ንእስነቶም እንከይመነዉ። ደቆም። ሓዳሮም። ዋኒኖም። ናይ ስጋ ኰይንዎም ሰገጥ እንከይበሉ። መንፈሶም ብዝቐለሶ ምእንቲ’ዚ ህዝቢ ኪወድቁ እንከለዉ። ጽኑዕ እምነት ኣብ ልዕሊኦም። ኣምልኾትና ንዖኦም። ዘይንገብረሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?.. “ኣይድያሊስት” ይብሉና ይዀኑ እቶም ግርምቢጥ ስነ-መጎት ዘንብቡ፣ ንሕና

ግን ኣብ ክውንነት ኢና ንኣምን፣ ኣብ ዝዀነ። ኣብ ዝተፈጸመ። ኣብ ዝረኣናዮ ጥራይ ዘይኰነ። ጌና ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘሎ መንፈስ። ትማሊ ኣብ ዝነበሩ ከይተሓጸረ። ሎሚ ኣብ ዘሎ ወለዶን ቀጻልነቱን ርኢና’ና ኣሚና፣ እምነትና። ኣብ ህላወና’ዩ ዝግለጽ፣ መን ከማና ኣይንብልን፣ ይህልዉ’ዶ ከም’ዚ ከማና ኢልና ግን ንሓትት፣

ምስጢር ባህሊ ዝኽሪ ሓደ ደቒቕ። ዕምቆቱን ርዝነቱን ሓደ’ኳ ክልክዖ ኣይክእልን፣ ናይ መንፈስ ኣብ መንፈስ’ዩ ዚተርፍ፣ ናይ’ዚ ህዝቢ - ናይ’ዛ ሃገረ ሰማእቲ እቲ ዝለዓለ ምስጢር ዓወት። ናይ ሎሚ። ጽባሕ። ንዘልኣለም ዝነብር ድማ’ዩ፣ ምኽንያቱ። ከም’ቲ ስነ-ጥበባዊ ግርማይ ገብረመስቀል ዝበሎ።

“ነዚ ምድሪ ቀሰይ ኢልኩም ርገጽዎ

መን ይፈልጥ ደም ተጋዳላይ ኣለዎ፣

ነዚ መሬት ተጠንቂቕኩም ኩዓትዎመን ይፈልጥ ኣዕጽምቲ ጅግና

ሒዙ’ሎ፣ዝረገጽኩሞ መሬት ኣኽብርዎ

ብደም ሰማእታት ቅዱስ ኰይኑ’ሎ፣”

ዝያዳ ኩሉ ንሕና ምነባዕና!ንብዙሓት ቀቢርና፣ ኣብ ዓውደ ኲናት ብጅግንነት ንዝተሰውኡ፣

ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራዊ ዕማም እንከለዉ ንዝተኸልፉ፣ ቀቢርና ንብዙሓት፣

ኣብ ጎድንና እንከለዉ ጥይት ንዝምንከለቶም፣

ዓበይቲ ቦምባታት ንዝጸቐጦም፣ ኣዋልድ ኣወዳት፣

ንብዙሓት መንእሰያት ቀቢርና፣ ነዛ ዓለም ማንካ ንዘይልዓሉ፣

ተማሃሮ ደቂ ዓዃይ፣ ሊቃውንቲ ብትምህርቲ።

ብተመክሮ፣ ቀቢርና’ወ መርዑት። በኮራት

ዘይወለዳ፣ ቈልዑቶም ዘኽቲሞም ንዝተረፉ፣ ቀቢርናዮም ነቦ ስድራ። ነደ ስድራ፣

ኣብ ስንጭሮን ጎቦን። ኣብ ደንደስ ሩባን ኩርባን። መሬት ኲዒትና ሓመድ

ዘልበስናዮም። ንቡር ከይገበርና ዝሓደግናዮም።

ክንደይ’ሞ ክንብሎም!ኩስቶ-ኩስቶ ኢልካ ዘይጽብጸቡ፣

ኣብ ቅድሚ ዓይናን ወትሩ ዚግተሩ።

ትሕቲ ጅግንነቶም። ስሓቖም ዋዝኦም ዚስራዕ።

ልዕሊ ዝዀነ ፍጡር ነኽብሮም። ኣብ ማእከል ባሕሪ። ኣብ ኩሉ

መኣዝን ናይ ኤርትራ። ኣብ ቆላኡ ከበሳኡ፣

ደሙ ዝጸንቀቐ ኣዕጽምቲ ደፊንና፣ ኣብ ድቕ-ድቕ ጸልማት ከውታ

ለይቲ፣ ኣብ ወጋሕታ። ጽሓይ ህሮርማ፣

ኣብ’ቲ እዋን ብርቱዕ ቁሪ

ኣስሓይታ።ጁው እናበለ ዝናብ። ቀቢርናዮም

ግዜ ከፈለና፣ ሓዲግናዮም ኣብ’ታ ዝወደቕዋ፣ ክሳዕ ትማሊ ግን ኣይነባዕናን፣

ኣይነባዕናን! ኣብ ዝባና እንክዝሕል ውዑይ ደም

ሰውነቶም፣ ኣይነባዕናን!

ሓመድ እንከነልብሶም፣ ንንብዓትና ተቘጻጺርናዮ፣

ዓቂብናዮ ንንብዓትና፣ ንውሽጢ ሰውነትና ኣዝዒግናዮ፣

ዝጎሃየት ልብና ብንብዓት ተርኪሳ፣ ተጸናኒዓ!

ካብ ኩሉ ከኣ ጸላእትና ኒሕ ከየሕድሩ ኣይነባዕናን፣

ተጸሚምና፣ ንጣብ ንብዓት ኣየጽረርናን፣

ተጻዊርና! ንሳ’ያ’ታ ዝዓበየት ምስጢር ህዝቢ-

ተጋዳላይ፣ ንሳ እንተዘይትህሉ ነይራ’ሞ

ንዘዝኸፈልናዮ እንተንነብዓሉ። ካብ ሰውነትና ዝምግቡ ፈሳሲ

ንብዓትና ምተጸንቀቐ፣ ኣካላትና ምደረቐ፣

ተዀርሚና ብሓዘን ክንርሮ ግዜ ምቐተልና፣

30 ዓመት 30ታት ዓመት ምደመረት፣

ዓወት ብማዕዶ ጥራይ ኰይና ምነበረ፣

ዘይትጭብጥ ምስሊ ምዀነት፣ እምበር!.. ዝያዳ ኩሉ ንሕና

ምነባዕና!

20 ሰነ 1992

Page 9: Haddas Eritrea - June 18, 2009

9ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ናይ መጀመርያ ተርእዮ ሕማም መንሽሮ ቆርበት ንምፍዋስ ከገልግል ዝጸንሐ ቅብኣት

(ክረይም)። ዕጣር ኣልጊሱ ነቲ ቆርበት ሓድሽ ከምዘምስሎ ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ፣

እቲ ‘ቫሊያንት ፋርማሰዩቲካል ክረይም ኢፊደክስ’ ዝተባህለ ቅብኣት። ብናይ ጽሓይ ብርሃን ንዝመጽእ ሕማም ቆርበትን ንናይ መጀመርያ ደረጃ ሕማም መንሽሮ ቆርበትን ኣብ ምፍዋስ ዘገልግል ኮይኑ፤ ብዝተኻየደ ምርምር ንዝዓጠረ ቆርበት ኣመሓይሹን ኣልሚጹን ሕብሪ ቆርበት ኣመና ዘመልክዕ ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም፣

እቲ መጽናዕቲ። ካብ 58 ክሳብ 85 ዓመት ኣብ ዝዕድሜኦም። ብብርሃን ጽሓይን ቀመማትን ቆርበቶም ዝሓመሙ 21 ሰባት ኢዩ ተኻይዱ፣ ብወለንትኦም ድማ ነቲ ቅብኣት መዓልታዊ ክልተ ግዜ ኣብ ገጾም እናተለኽዩ ንኽልተ ሳምንታት ቀጺሎሞ፣ ኣብ ቆርበቶም ንዝተራኣየ ለውጥታት ብምምዝጋብ ድማ። ዝነበሮም ዕጣር ዳርጋ ብምልኡ ጠፊኡ። ቆርበቶም ለስሊሱን መልክዑ ተመሓይሹን ከምዝተረኽበ እታ ጉጅለ ሓቢራ፣ ‘’እዚ ቅብኣት’ዚ። ንዝተላሕጸን

ንዝተጎድአን ቆርበት ቀልጢፉ ንኽጽገንን ንኽፍወሰን ዝሕግዝ ስለዝኾነ። ንዝዓጠረ ቆርበት ትርኢቱ ቀይሩ ሓድሽ’ዩ ዘምስሎ’’

ንዝዓጠረ ቆርበት ዘልምጽ መድሃኒት ድማ ትብል ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ዶክተር ዳና ሳችስ፣ እዚ መድሃኒት ንዝሓለፈ 40/50

ዓመታት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ቆርበት ንምፍዋስን ንምክልኻልን ተባሂሉ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸንሐ ምዃኑ ጠቒሳ። ብፍላይ ኣብቶም ንጽሓይ ብርሃን ዝተቓልዑ ኣካላት - ማለት ኣብ ገጽ። ክሳድ። ቅልጽምን ከንፈርን ብብዝሒ ክልከ ዝጸንሐ መድሃኒት ምዃኑ ኣብሪሃ፣

እዚ ቅብኣት’ዚ ናቱ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ’ኳ እንተኾነ። ንብዙሓት ግን ካብ ሕማም ቆርበት ክፍውሶም ጸኒሑ’ዩ፣ መጀመርያ ምስ ተለኸኻዮ ንቆርበትካ ቀይሕን ሓረሮን ስለዘምስሎ ንብዙሓት ሰባት የሰንብዶም’ዩ፣ ‘’ሕሙማት ነዚ ቅብኣት ምስ ተለኸይዎ ኣብቲ መጀመርያ ቆርበቶም ቀይሕን ሓረሮን ስለዝኸውን ሕማቕ’ዩ ዘምስሎም፣ ብዙሓት’ውን ’ቆርበተይ ዝተጠብሰ ስጋ ሃምበርገር መሲሉ’ ክብሉ ይስምብዱ’ዮም’’ ዝበለት ዶክተር ሳችስ። ድሕሪ ፍወሳ ግን። ቆርበቶም ሓድሽን ምልኩዕን ከምዝኸውን ገሊጻ፣ እዚ ቅብኣት ንናይ መጀመርያ ተርእዮ ሕማም መንሽሮ ቆርበት ጥራይ ዘይኮነ ዝፍውስ። መልክዕን ብቕዓትን ቆርበት ኣመሓይሹ ንሓያለ ዓመታት መመሊሱ ከምዘጸብቖ ዶክተር ሳችስ ኣረዲኣ፣ ካብ’ዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ብምብጋስ ከኣ። ንሳን ብጾታን። ብሰንኪ’ዚ

መድሃኒት ኣብ ቆርበት ንዝመጽእ ለውጢ ብልክዕ ንምምዛኑ ድሌት ከምዘለዎም ሓቢራ፣

ኣብ መወዳእታ ዶክተር ዳና ሳችስ። ናይ መጀመርያ ደረጃ ሕማም መንሽሮ ቆርበት ዘለዎም ሰባት። ቅብኣት ምልካይ ምስ ጀመሩ ምሉእ ብምሉእ ክፍውሶም ከምዝኽእል ተረዲኦም ብዘይ ሸለልትነት ክሳብ መወዳእታ ክቕጽልዎ ተላብያ፣ ብሰንኪ ናይ ጽሓይ ብርሃን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝመጽእ ሕማም ቆርበት። ብቐሊሉ ዝፍወስ’ኳ እንተኾነ። ግቡእ ክንክን እንተዘይተገይሩሉ ግን ናብ መንሽሮ ቆርበት ክምዕብል ይኽእል’ዩ፣ ኣብ ዓለም። ዓመታዊ 1 ሚልዮን ሓደስቲ ሰባት ብናይ መጀመርያ ደረጃ ሕማም መንሽሮ ቆርበት ከምዝጥቅዑ ጸብጻባት ይሕብሩ፣

ናይ ደቡብ ኮርያ ወተሃደራዊ ናይ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ። ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ ናይ መርበብ መጥቃዕቲ ከምዝርከብ አይ.ኤፍ.ፒ ሓቢሩ፣

ዛጊት እቲ ወተሃደራዊ ኔትዎርክ። ብገምጋም መዓልታዊ ብ95 ሽሕ ጉዳያት ይጥቃዕ ምህላዉ ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ አይ.ኤፍ.ፒ ወሲኹ ኣብሪሁ፣

ብዘይካ’ዚ እቲ ወተሃደራዊ ኔትዎርክ። መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ናይ ምብታኽን ምጥላፍን ፈተነታትን ኣስታት 82 ሽሕ መልከፍቲ ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ ከምዘጋጥሞን ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምክልኻል ጸጥታ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፣ እዚ መርበባዊ መጥቃዕቲ ምስ ናይ 2008 ክነጻጸር ከል። ብ20% ከምዝወሰኸ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ፣

ኣፈኛ እቲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ንኤይ.ኤፍ.ፒ ከምዝገለጾ። ዝበዝሐ ካብቲ መርበባዊ መጥቃዕቲ ከምቲ ንተራ ሰባት ኣብ ውልቃዊ ኮምፒዩተራቶም ዘጋጥሞም ዝመሳሰል ምዃኑ ጠቒሱ። ሓደ ዕስረት ካብቲ መጥቃዕቲ ግና ኣዝዩ ሓደገኛን ንጸጥታ እታ ሃገር ዝፈታተንን ከምዝኾነ

ወተሃደራዊ ኔትዎርክ ደቡብ ኮርያ ብመጥቃዕቲ መርበብ ይናወጽ

ኣብሪሁ፣ 11% ካብቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ። ንመርበብ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ንምብታኽን ሰለያዊ ሓበሬታ ንምርካብን ዝዓለመ። ኣዝዩ ዝተራቐቐን ኣስጋእን ፈተነታት ከምዝኾነ ከኣ እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ኣነጺሩ፣

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ጸጥታ ደቡብ ኮርያ። መበገሲ ናይቲ መርበባዊ መጥቃዕቲ ካበይ ምዃኑ ኣየብርሀን፣ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ግና። ኣቐዲሞም ነተን ዕሉላት ጉጅለ መርበባዊ መጥቃዕቲ ከምዘለወን ዝገልጽወን ሰሜን ኮርያን ቻይናን ክኸሱ ምጽንሖም እቲ ሓበሬታ የረድእ፣‘’ሃገርና ብቐጻሊ ተኣፋፊት ትኸውን

ኣላ፣ ገለ መንግስታዊ ጨናፍራት ከኣ ብስግኣት ናይ’ዚ መርበባዊ መጥቃዕቲ ካብ ስራሕ ተጎናዲበን ኣለዎ’’ ዝበለ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ሃገራዊ ስለያ እታ ሃገር። መርበባዊ መጥቃዕቲ ንሃገራዊ ጸጥታ ደቡብ ኮርያ ከቢድ ፈተነ ኮይኑ ምህላዉ ሓቢሩ፣

ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ። ካብ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ንዝመጸን መርበባዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል። ሓቢረን ክሰርሓ ከምእተሰማምዓ ይፍለጥ፣

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝርአ ቀጻሊ ምሕርናኽ ሳዕቤን ኣለዎ ተባሂሉ

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝርአ ተኸታታሊ ምሕርናኽ። ናይ ደም ሽኮር ጸገም ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ክትብል መጽሄት ‘ሄልዝ ደይሊ ኒውስ’ ሓቢራ፣

ምስ ጥንሲ ዝምዕብል ሕማም ሽኮር ንቡር’ኳ እንተኾነ። ብቐጻሊ እትሕርንኽ ነፍሰ-ጾር ግን። ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮር ንኸተማዕብል ዘለዋ ተኽእሎ ዝለዓለ ምዃኑ በቲ መጽናዕቲ ከምእተነጸረ እታ መጽሄት ወሲኻ ኣረዲኣ፣

እቲ መጽናዕቲ ምሉእ ጥዕና ኣብ ዘለወን 189 ነፈሰ-ጾራት ኣንስቲ’ዩ ተኻይዱ፣ ኣብ መንጎ ካብ 6 ሰሙን ክሳብ 20 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ናይ ጥንሲ ግዜን ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ናይ ጥንሰ ግዜን ከፋፊሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ድቃስ መጽናዕቲ ከኣ። ኣብ ሰሙን ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ዝሕርንኻ ነፍሰ-ጾራት። ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮር (ges-tational diabetes) ንኸማዕብላ ዘለወን ዕድል 14.3% ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብተን ዘይሕርንኻ ነፍሰ-ጾራት ግና እቲ ተኽእሎ 3.3% ምንባሩ ሓቢሮም፣

ብዘይካ’ዚ። ኣብ ናይ መጀመርያ ደረጃ ናይ ጥንሲ ብቐጻሊ ዝሕርንኻ ዝነበራ ኣዴታት 11% ከምዝነበራ ዝገለጸ ውጽኢት ናይ’ቲ መጽናዕቲ። ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ጥንሲ እቲ ኣሃዝ ናብ 16.5% ክብ ምባሉ። ጥንሲ። ባዕሉ ንኽትሕርንኽ ጠንቂ ከምዝኸውን ዝሕብር ምዃኑ የብርህ፣

እቲ መጽናዕቲ ነቶም ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮር መሊሶም ዘጋድዱ ከም ክብደት ኣካላት። ዕድመ። ዓሌትን ማሕበራዊ ጉጅለን ዝኣመሰሉ ጠንቅታት ኣብ ግምት ዘእተወ’ኳ እንተኾነ። ኣብ መንጎ ቀጻሊ ምሕርናኽን ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮርን ዝምድና ከምዘሎ ዝገልጽ ውጽኢት ከምዝረኸቡ ግን እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም፣

‘’ኣብ እዋን ጥንሲ ዝርአ ናይ ድቃስ ምዝንባል ንመስርሕ ምስትንፋስን ምሕቃቕን ኣካላት ብኣሉታ ክጸልዎም ይኽእል’ዩ’’ ዝበለ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ፍራንሲስካ ፋክኮ። እዚ ኣብ መንጎ ምሕርናኽን ሕማም ሽኮርን ምትእስሳር ከምዘሎ ዝገልጽ ረኺቦሞ ዘለዉ ውጽኢት ናይ መጀመርያ ምዃኑ ገሊጹ፣ ‘’ምሕርናኽ። ኣብ እዋን

ድቃስ ድኻም ዋሕዚ ኣየርን ዋሕዲ ኦክስጅን ኣብ ኣካላትና ከምዘሎ ምልክት’ዩ’’ ክብል ዘብርሀ ዶክተር ፋክኮ። እዚ ተርእዮ እዚ ንስርዓተ መትንታት ኣንቂሑ። ኣብ ግዜ ለይቲ ጸቕጢ ደም ከምዝውስኽ ይገብርን፤ ከም ሳዕቤኑ። ነድሪ ኣለዓዒሉን መስርሕ ምሕቃቕ ቀያይሩን ድማ። ንሕማም ሽኮር ወይ ንድኹም ናይ ሽኮር ተጻዋርነት ዘጋድድ ከምዝኸውን ኣረዲኡ፣

ዛጊት ኣብ መንጎ ምሕርናኽን ናይ ጥንሲ ሕማም ሽኮርን ዘሎ ምትእስሳር ጠንቁ እንታይ ከምዝኾነ ብንጽር ኣይተፈልጠን፣ ነፍሰ-ጾር ኣደ ኣብ እዋን ጥንሲ ብእተርእዮ ምውሳኽ ክብደት ኣካላትን ልዑል ምዕቃብ ፈሳስን። ኣብ መውጽኢ ኣየር ብዝፈጥሮ ጸቕጢ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ዶክተር ፋክኮ ይገልጽ፣

ምስ ጥንሲ ዝምዕብል ሕማም ሽኮር። ኣብ ነፍሰ-ጾራት ኣዴታት ብውሕዱ 4 ካብ ሚእቲ ከጋጥም ከምዝኽእል ይግመት፣ እዚ ዘማዕበላ ነፍሰ-ጾራት። ኣብ ሂወተን ካልኣይ ደረጃ ሕማም

ሽኮር ንኸማዕብላ ልዑል ተኽእሎ ኣለወን፣

ብዘይካ’ዚ። ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝርአ ሕማም ሽኮር። ነቲ ዕሸል’ውን ጸገማት የስዕበሉ’ዩ፣ ንኣብነት። እቲ ዕሸል ግዝፊ ከም ዝውስኽ ብምግባር ኣብ ግዜ ምውላድ ጸገማት ምፍጣር፤ ትሑት ዓቐን ሽኮር ኣብ ደም፤ ግዳይ ሕማም ግዝፊን ድኹም ናይ ሽኮር ተጻዋርነትን ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ኣብቲ ዕሸል የኸትል፣

ሓንቲ ብምሕርናኻ እትሻቐል ነፍሰ-ጾር ኣደ። ካብ ክኢላታት ምኽሪ ድቃስ ክትረክብ ብምዝኽኻር። ነተን ናይ ድቃስ ግዜአን ተዘሪጉወን ኣብ እዋን ጥንሲ ዝሕርንኻ ነፍሰ-ጾራት ካብ ጸገማተን ንምፍዋስ። ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ መጀመርያ ውጽኢት ዝያዳ ክደፍኣሉ ዶ/ር ፋክኮ ኣብ መወዳእታ ተላብዩ፣

ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህብ ኩባንያ ያሁ። ኣብ ዞባ ኤስያ-ፓሲፊክ ዝርግሐ ናይ ያሁ ሞባይል ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ አይ.ኤፍ.ፒ ገሊጹ፣

እቲ ኩባንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ። ተቐማጦ’ቲ ዞባ ኣብ ክንዲ ብመገዲ ኮምፒዩተር ኢንተርነት ዝጥቀሙ። ብመገዲ ያሁ ሞባይል ብተሌፎኖም ኢንተርነት ንኽጥቀሙ ዕድል ንምፍጣር ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣረዱኡ፣

ያሁ ሞባይል። ኣብ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ኢንተርነት ንምጥቃም ዘኽእል ፕሮግራም ኮይኑ። ዛጊት ኣብ ኣውስትራልያ። ማሊዥያ። ሲንጋፖርን ታይዋንን። ከምኡ’ውን ኣብ ኣርጀንቲና። ብራዚል። ኢጣልያ። ሜክሲኮን ስጳኛን ተኣታትዩ ከምዝርከብ መግለጺ’ቲ ኩባንያ ይሕብር፣

ዓማዊል ዝስሕብ መርበብ ንምፍጣርን ዞባዊ ኣገልግሎት

ኣብ ኤስያ ዝርግሐ ያሁ ሞባይል ይዓቢ

ከም ዘአንግድ ንምግባርን ብዝብል ዕላማ። ኩባንያ ያሁ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብልዕሊ 400 ናይ ሞባይል መሳርሒታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ክትረኽበሉ ዘኽእል ያሁ ሞባይል (ፕሮግራም) ኣፍርዩ ይርከብ፣ ‘’ምስ ፍርያት ሓድሽ ናይ ያሁ

ሞባይል። ንኡንዲስትሪ ሞባይል ነተባብዐን ዓማዊል ብዝተፈላለየ ናይ ሞባይል መሳርሒ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንኽረኽቡ ዕድል ንፈጥርን ኣለና’’ ክብል ዝሓበረ ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ያሁ ሞባይል ደቪድ ኮ። ያሁ ሞባያል። ዛጊት ኣብ 17 ሃገራት ኤውሮጳ። ኤስያን ኣመሪካን ተኣታትዩ ስሉጥ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ፈጢሩ ምህላዉ ኣረዲኡ፣ ኣብ ቀጻሊ’ውን ንዝተወሰነ ዞባ ወይ ከባቢ ጥራይ ዘገልግል ሓደ ቅዳሕ ያሁ ሞባይል ንምዝርጋሕ ምድላዋት ይጻፈፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፣

Page 10: Haddas Eritrea - June 18, 2009

10ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

ሓበን ኣፈወርቂ

ህ ህይወትን ቀመማይወትን ቀመማንን

ኩርናዕ ሰኣልቲ

ብሁል

ሜሪ ማና

ምስ ሜሪ መሓዙት ካብ ንኸውን 13 ዓመት ኮይኑ ኣሎ፣ ኣዝየ ዝፈትዋ መሓዛይ’ያ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ እንራኸበሉ እዋናት ሓቑፍ ኣቢላ ስዒማ ፍዮሪ ከም ህያብ ተበርከተለይ፣ ምስ ዕንባባታት ክቱር ፍቕሪ ስለዘለዋ። ድሌታታን ሕልማን ስነ-ኣትክልቲ (ፕላንት ሳይንስ) ናይ ምጽናዕ እዩ፣ ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ። “እዋይ እታ ዕንባባ ዝተኸልክዋ ዓብያትለይ ክትጽብቕ ኮይና! ሄሪ ገዛና ምስ መጻእኺ ከርእየኪ’የ” ትብለኒ፣ ብዕንባባታት ብዙሕ ኣይግደስን’የ ነይረ። ምስ ሜሪ ካብ ዝቐርብ ግን ዋላኳ ክንዲ ናታ እንተዘይኮንኩ። ክግደስ ጀሚረ፣ ብስራሕ ስለ ዝገሽኩ ገዛ ካብ ትቕይር ሎሚ ንመጀመርታ መዓልተይ እየ እንዳ ሜሪ ዝኸይድ ዘለኹ፣ ካብ ዘይንረኸብ’ውን ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበርና ናፍቖተይ ከውጽእ ተሃወኽኹ፣ ደዊለላ ምስ ተራኸብና ገዝኣ ሓቢራትኒ ንኽመጻ ተሰማማዕና፣

ገዝኣ ካብ ከተማ ውጽእ ዝበለ’ዩ፣ ጽምዋ ስለ እትፈቱ ነቲ ገዝኣ ተደኲንሉ ዝነበረ ከባቢ ኣዝያ’ያ ትፈትዎ፣ ንዓይንኻ ባህ ዘብል ዕንባባታት ኣብቲ ኣፍደገ ምስ ረኣኹ እታ ገዛ ንሳ ከም ዝኾነት ኣረጋገጽኩ፣ እቲ ማዕጾ ክፉት ስለዝጸንሓኒ። ሰብ-ቤት ብምባል። ናብ ውሽጢ ገጸይ ኣተኹ፣ ሜሪ ድምጸይ ምስ ሰምዐት እናጎየየት መጸትኒ’ሞ። ተሓቛቚፍና ተሰዓዓምና፣ ሜሪ ሓፍተይ ብምባል ደጋጊመ ሓቒፈ ሰዓምክዋ፣ገጽ ሜሪ ተላዋዊጡ ረኣኽዎ ኩነታታ ስለ ዘሻቐለኒ ከኣ ድሓን ዲኺ ሜሪ?.. ደጋጊመ ሓተትክዋ፣ “ሓደ ሃዳናይ መጺኡ ነዚ

ዕንባባታት ዋላ ነቲ ገረብ ዝተኸልክዋ ኩሉ ቆራሪጹ ወስድዎ። ነቲ ዕንባባታት ክሸጦ ኢየ ኢሉ’ዩ ወሲድዎ” ኢላ ካብ ውሽጣ እናተነኽነኸት ነገረትኒ፣ ብተግባር ናይ’ቲ ሃዳናይ’ኳ እንተተቖጣዕኩ ንሜሪ ከጸናንዓ ስለ ዝነበረኒ ግን ስምዒተይ ሓቢአ። ኣጆኺ ተኺልክዮ’ምበር ኣይተኸለክን። ሕጂ’ውን ከም ቀደምኪ ኩኒ ኣጆኺ ካልእ ኣምጺኺ ትኸሊ በልክዋ፣ “ኩሉ ሕልምታተይ ምስኦም’ዩ

ነይሩ፣ ምስቶም ዕንባባታት፣ ብዘይ

እቲ ዕንባባታት ዋላ ሓደ ክገብር ኣይክእልን’የ፣ ናተይ ሕልሚ። ራእዪን ባህግን ኣብኡ’ዩ” በለትኒ፣ ዝተሰምዓ ስምዒት ኣብ ውሽጠይ ኣትዩ ከም ገለ ገይሩኒ። ናይ ውሽጠይ ሓቢአ ግን። ኣነ ናፊቐኪ’የ ዘለኹ። በጃኺ ሕጂ ጸጽብቑ ንዕልል፣ ኣብ ኢድኪ’ዩ ዘሎ በልክዋ ነቲ ኣቐዲመ ዝበልክዋ ደገምኩላ፣ ናብቲ ውሽጢ ገዛ ሒዛትኒ ምስ ኣተወት ከኣ ልዕሊ እቲ ግዳማዊ ጽባቒኡ ኣድነቕክዎ፣ ዋው! ደስ ክብል ሜሪ ብጣዕሚ ጽቡቕ በልክዋ፣ ኣድኒቐያ፣ እዋይ ሓቅኺ እንዲኺ ደኣ ዕንባባ ክትመስሊ ምስ ዕንባባ እናወዓልኪ በልክዋ፣ “እዚ ሃዳናይ ካልኣይ ግዜ እንተ ዝመጽእ ጽቡቕ ነይሩ” በለትኒ፣ ኣነ ከኣ ብምግራም እንታይ ክገብር ክመጸኪ? ሕጂ’ኸ እንታይ ክደግም ደሊኺ! በልክዋ፣ “ነኖእ መረዳእክዎ ነይረ ኣብዚ ዘሎ ህይወት። ብዘይ ምፍላጥ

ከም ዝገበሮ እኳ ፍሉጥ’ዩ” በለትኒ፣ ድሕሪ’ዚ። ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ’ቲ

ደገ ኮይንና ኣዕሊልና፣ ትምህርታ ከትውድእ ከም ዝቐረበት’ውን ነጊራኒ፣ ጽቡቕ ምንዮተይ ከኣ ገለጽኩላ፣

ንግሆ ተሲእና፣ ኣነ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ ክኸይድ ከም ዘለኒ ነጊረያ፣ ሜሪ ከነዕልል እኮ እንተደለየት ስራሕ ምዃነይ ምስ ሓበርክዋ ግን ከተፋንወኒ ወሰነት፣ ካብ ገዛ ውጽእ ክንብል እቲ ሃዳናይ ከምኣመሉ። ፍዮሪ ክቕንጥስ ጸንሓና፣ ሜሪ እናጉየየት ከይዳ ብነድሪ “ሕጂ ከኣ ክትቕንጥብ መጺእካ! ትማሊ ዝወስድካዮ ከይኣኽለካ” በለቶ፣ እቲ ሃዳናይ ብኣሽካዕላል “እንታይ እሞ እዚ ቆሪጸ እንተ ሸጥክዎ ኣብዚ በረኻ’ዚ ከምዚ ዓይነት ዕንባባታት እንታይ ክዓብስ እዩ?..” በለኒ፣ ሕርቃነይ ክቆጻጸሮ ስለ ዘይከኣልኩ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መቐዝ - መቚረጺ ፍዮሪ ምንጠልክዎ፣ “እዚ ዕንባባታት ንዓይ ኩሉ እዩ፣ ህይወተይ። ሕልመይ። ኣዝየ ዝብህጎን ባህታ ዝፈጥረለይን’ዩ ንስኻ ካብዚ ወሲድካ ዝሸጥካዮ ገንዘብ እንታይ ይጠቕመካ? ነዓይ ግና ከምዚ ንእሽተይ ወደይ ዝቐተልካለይ እዩ። ሕማቕ ተሰሚዑኒ - ሕልመይ ሰርካዮ ደስ ይብልካ” እናበለት ነብዐት፣ እቲ ሃዳናይ። ንብዓታ ምስ ረኣየ ብድንጋጸ ይቕሬታ ሓተታ፣ ዕንባባታት ኣዝያ ከም እትፈቱን ስነ-ኣትክልቲ ኣጽኒዓ ናታ ትካል ክትከፍት ከም እትደሊ ነገረቶ፣ እቲ ሃዳናይ። ኩሉ ነገር ተረዲእዎ ከም እንደገና ይቕሬታ ሓቲቱ። ክሕግዛ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ተፋነወና፣ ምጪ።-inspirationalstories.com

ውዒልካዮ ኣብቲ ረመጽሓያል ጥምጥም ጎነጽመዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ

ድምጺ መድፍዕ ጠያይቲጸልማት ምስ ለቐቐጸሓይ ምስ በረቐ

ቃል ኣቲኻበጃ ህዝብኻ

ሞባእ ኮንካ ክትውዕሎ ገንሸል ናይቲ ውዕሎመስዋእቲ ክትክፈሎበጃ ናይቲ ውዕሎጸማኻ ተኸፈሎ፣

ኣሮን ተስፋማርያም

ጎስጓስ ሓበሬታን ኩ/ህ/ሓበን

ውዕሎ ንበጃ

ተኽሊ ዱማ ተኽሊ ዱማ ብትግርኛ ዱማ ሰነፍልጠታዊ ስሙ ከኣ (adansonia digitatal) ይበሃል፣ገሊኦም ድማ ሱሩ ንላዕሊ ዝተገልበጠ ገረብ ይብልዎ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባርካን ሳሕልን ካብ 700–1700 ሜተር ብራኽ ኣብ ዘለዎም ቦታታት ብብዝሒ ይርከብ፣ቁመቱ ክሳብ 20 ሜተር ሰንጣቒት ጉንዱ ድማ ካብ 2-6 ሜትር ይበጽሕ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዱማ ዕድሚኡ ዋላ’ኳ ኣዝዩ ገዚፍ እንተኾነ ካብ 100 ዓመት ኣይበዝሕን’ዩ፣ ዱማ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ነገራት ይጠቕም እዩ፣ ቆጽሉ ከም ሓምሊ። ፍርኡ ድማ ኣብ ጋዓት ኣትዩ ክበላዕ ይከኣል፣ ቅላጥ ጉንዱ ንገመድ መርበብ መስርሒ ይውዕል፣ ኣብ ግዜ ጽምኢ ብእንስሳታትን ሰብን ይሕየኽ፣እቲ ኣብ ውሽጢ ጉንዱ ዘሎ ክፉት ቦታ ከም መዐቀቢ

ንብረት ኮይኑ የገልግል፣ብዘይካ እዚ ቅላጡ ንረስኒ። ቆጽሊ’ውን ንኣሜባ ። ፍሪኡ ንውጽኣት ይጠቅም፣ ኣብ ሃገርና’ውን ( ማርያም ድዓሪት ከረን ኣብ ዱማ እያ ትርከብ፣ sምንጪ።- መጽሄት ሰላምታ እልልታ ብርሃነ

ኮመት ኮኾብ ዓቢ ኮይኑ ዚረኣየና ካብ ኣካላቱ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ጋዛት ሰለ ዝበዝሕ’ዩ፣ ኮመት። ኮኸብ ዘይኮነ እኽብካብ ኣኻውሕ። ሓመድን በረድን’ዩ፣ ናይ ፕላነት ዑደት ዓንኬል ኣብ ማእከል ከቢብ ክኸውን ከሎ። ናይ ኮመት ግን ሸሊሕን ነዊሕን’ዩ፣ በዚ ምኽንያት’ዩ ከኣ ንዓለም ክዘራ ኣማኢት ዓመታት ዝወስደሉ፣

እቲ ጭራ ዝመስል ነገር ጥቃ ጽሓይ ክቐርብ ከሎ ብረስኒ ሃፊፉ ምስቲ ኮመት ዝጓዓዝ ጋዝ እዩ፣ እዚ ጋዝ’ዚ ብርሃን ስለ ዘንጸባርቕ ከም ነዊሕ ጩራ ኮይኑ ይርአ፣

ምንጪ።- encyclopedia ኣዝመራ ገብረመድህን

ብሂል ቀዳሞትብሂል ቀዳሞት * ሓዳር ከመይ ኣቢልካ በቲንካዮ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልካ ኣኪብካዮ ኣባቢደ፣ * ግሩም ዝተኸደነ ለባም ይመስል። ዓሻ ኽኸውን ከይከውን መን’ሞ ይፈልጥ፣ * ብዕራይ ዘይብሉን ክሩምቲ ዘይብሉን ከካብ ጥዕም ይተርፍ፣ * ዳጉሻ ክበቈል ሳዕሪ ይመስል። ጓና ከፍቕር ሓው ይመስል፣ * ሬሳ ብምንታይ ከቢዱ። ሓሳቡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣውሪዱ፣ * ሰፍኢ የብለይ መቦቈጺ። ቆልዓ የብለይ መደንገጺ ሩባ ሩባ ከይደ ይፋጺ፣ * ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ። ባዕላ ሰንኪታቶ ቦኽዐ ቀደም ከይትሕዞ ብጥንቓቀ፣

ምንጪ።- መጽሓፍ ጥንታዊ ምሳሌ ትግርኛ

ኮመት=> ንገዛእ ርእስኻ ልዕሊ’ቲ ንስኻ ትግምታ ምዃና ኣዘኻኽራ። ዕውታት ሰባት ፍሉያት ሰባት ኣይኮኑን ዓወት ብሉጽ ፍልጠት ዝሓትት ኣይኮነን፣ ዕውታት ሰባት ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ፍሉጣት ኣብ ገዛእ ርእሶም እምነት ዘማዕብሉ እዮም፣ ስለዚ ርእስኻ ኣትሒትካ ኣይትርአ፣=> ገለ ሰባት እንታይ ኢና ከነንብብ ኢሎም ዝጭነቑ ኣለዉ፣ እዚ ግና እንታይ ከንብቡ ከም ዘለዎም ጠፊእዎም ዘይኮነ። ብመሰረቱ ናይ ንባብ ልምዲ ስለዘይብሎም እዩ፣

ሚልዮን ስለሙን

ትትፈልጡፈልጡዶ ዶ ??ኣብ 24 ሰዓታት። ልቢ ወዲ ሰብ ብገምጋም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ግዜ ትሃርም፣ኣብ 24 ሰዓታት። ብገምጋም ልዕሊ 23 ሽሕ ግዜ ነተንፈስ፣ኣብ 24 ሰዓታት። ብገምጋም ደም ኣብ ኣካላትና ልዕሊ 270 ሽሕ ኪሎሜተር ይጓዓዝ፣ኣብ 24 ሰዓታት። ጽፍርና ብገምጋም ብ 0.08 ሰንቲሜተር ይዓቢ፣ኣብ 24 ሰዓታት። ሓደ ሰብ ኣስታት 4,800 ቃላት ይዛረብ፣ኣብ 24 ሰዓታት። ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ድቃስ ልዕሊ 25 ግዜ ይገላበጥ፣ኣብ 24 ሰዓታት። ሓደ ሰብ ኣስታት 1.5 ኪሎ መግቢ ይበልዕ፣

ንልቦናንልቦና

ሰምሃር ። ‘ሕውነታዊ ፍቕሪ!’ተመስገን። ሓደ ሰብ ንሓደ ኣድጊ ብበትሪ ክቕጥቕጦ ርእየ እንተኣገላገልክዎ ‘ታይ

ዓይነት ባህሪ የርኢ ኣሎኹ ማለት’ዩ ምስ በላ ሰምሃር ዝበለቶ* * *

‘ናይ ዓባይካ ወሲድካ’መምህር ብእምነት ብዋዛ እና መሃረ እንከሎ ታይ ኮይነ ‘የ’ እስኪ ጭሕሚ

ዘይትርእዩለይ ምስ በሎም ሓንቲ ተማሃሪት ዝበለቶ

Page 11: Haddas Eritrea - June 18, 2009

Hª] „íXqV 18 ሰነ 2009 151515151111

ኢሳያስ ፍስሃየ

ብ3 ሰነ 2009 ኣብ ኬሩ ዝጀመረ ስፖርታዊ ቅነ ሓይልታት ምክልኻል ዞባ ስርሒት 01። ብ7ን 8ን ሰነ ቀጺሉ ነይሩ፣

ኵዕሶ እግሪኵዕሶ እግሪጋንታታት ሆሚብን ዛራን ካብ ሰዓት 6።30

ንግሆ ጀሚረን ጸወታአን ኣብ ዘካየዳሉ። ብወገን ክልቲአን ጋንታታት ዝተመዝገበ ሸቶ ብዘይምንባሩ 0ብ0 ተፈላልየን፣ድሕሪ ቐትሪ ዝቐጸለ ካልኣይ ግጥም።

መራር ጸሓይ ኬሩ ኣብ ዝተንጠልጠለትሉ ግዜ ካብ ሰዓት 4።30 ድ.ቐ ጀሚሩ ጋንታታት ቀይሕ ኮከን ሰቲትን ዘካየድኦ ነይሩ፣ ኣብ 7ይ ደቒቕ ተጻዋታይ ጋንታ ሰቲት ዑመር መሓመድ ሓሰን ብዝፈተና ሓደገኛ ኵዕሶ ድማ እቲ ግጥም ህይወት ዘሪኡ ተኸፈተ፣ ኣብ መበል 33 ደቒቕ። ናይ ጋንታ ሰቲት ማሕሙድ ህያቡ ካብ ዑመር መሓመድ ሓሰን ዝረኸባ ኵዕሶ ተቐቢሉ ‘ኣትያ!’ ዝተባህለት ኵዕሶ ክእመን ብዘጸግም መልክዕ ንደገ ኣውጽኣ፣ ተጻወትቲ ቀይሕ ኮከ ኣልግብ ኣቢሎም ኣብ መበል 35 ደቒቕ ብዮሴፍ ኣበበ ብልጽቲ ሸቶ ኣመዝገቡ፣ በዚ ድማ። ቀይሕ ኮከ 1ብ0 መሪሓ ንዕረፍቲ ወጺኣ፣ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ግጥም። ጋንታ

ሰቲት ዝተመዝገባ ሸቶ ንምሕዋይ። ጋንታ ቀይሕ ኮከን ድማ ውሕስነት እትህባ ሸቶ ንምምዝጋብ ርሱን ጸወታ ኣንጸባረቓ፣ ስዒድ መሓመድ ዓሊ ኣብ መበል 50 ደቒቕ። ዮሴፍ ኣበበ ድማ ኣብ መበል 56 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ሸቶታት። ጋንታ ቀይሕ ኮከን 3ብ0 ተዓዊታ ወጺኣ፣ብ9 ሰነ ኣብ መንጎ ቀይሕ ኮከን ሆሚብን

ዝተኻየደ ግጥም ብርሱን መንፈስ እናቐጸለ እንከሎ። ኣብ መበል 30 ደቒቕ ናይ ጋንታ ቀይሕ ኮከን ሳልሕ መሓመድኑር። ናይ ጋንታ ሆሚብ ድማ ኤፍሬም ያቆብ ኣብ ክሊ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ተሓንኲሉ ስለዝወደቐ ዳኛ ንጋንታ ቀይሕ ኮከን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ኣዘዘ፣ ስዒድ መሓመድ ዓሊ ቀሊዑ ስለዝሰሓታ ከኣ ኣብቲ ዝተረፈ ግዜ ዝጥቀስ ፈተነ ከይተኻየደ ቀዳማይ እብረ 0ብ0 ተፈጸመ፣ድሕሪ ዕረፍቲ። ክልቲአን ጋንታታት

ጽቡቕ ምንቅስቓስ እናካየዳ ጸወታአን ቀጸላ፣ ጋንታ ቀይሕ ኮከን ብመሓመድ ሳልሕን ብመሓመድ ኣድምን ኣብ መበል 64ን 74ን ደቓይቕ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶ ስለዘመዝገበት ብዓወታ 2ብ0 ፈጺማቶ፣ድሕሪ ቐትሪ። ኣብ መንጎ ጋንታ

ሲሮን ዛራን ዝተኻየደ ግጥም ብጽቡቕ ምንቅስቓስ እናቐጸለ እንከሎ። ሓያል ተኸላኻላይ ጋንታ ዛራ ማሕሙድ ሱሌማን ኵዕሶ ብርእሱ ክሃርም ምስ ዘለለ ኣዋድቓ ስለዘየጸበቐ ሓደገኛ መጉዳእቲ ኣጓኒፉዎ ብቓሬዛ ተጸይሩ ክወጽእ ተገዲዱ፣ ብተኪኤ ኣለም ድማ ተተክአ፣ እቲ መስመር ምክልኻል ናይታ ጋንታ ብድሕር’ዚ ክጸንዕ ብዘይምኽኣሉ። ጋንታ ሲሮን ብሸቶታት ዳዊት ሃይለ። ሳሙኤል ካሕሱ። ግርማይ ተስፋማርያምን ዮናስ ተስፋኣለምን ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ዛራ ብገፊሕ 5ብ0 ተዓዊታ፣

ኵዕሶ መርበብኵዕሶ መርበብብ8 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኵዕሶ

መርበብ። ሆሚብ ንዛራ 3ብ1። ቀይሕ ኮከን ንሰቲት ድማ 3ብ0 ረቲዐንአን፣ኣብቲ ዕለት’ቲ። ያታዊ ስፖርት’ውን

ተኻይዱ ነይሩ፣ ኣቤል ደምበ ካብ ቀይሕ ኮከን ንተወልደ ነጋሲ ካብ ሆሚብ 2ብ0 ከፋንዎ እንከሎ። ፈረጅ ሓምድ ካብ ዛራ ንዑስማን ጀማይ ካብ ሰቲት 2ብ0 ረቲዑዎ፣ኣብ ያታዊ ጸወታ ቢብ። ቀይሕ ኮከን

ንሆሚብ 2ብ0፤ ዛራ ከኣ ንሰቲት 2ብ0 ረቲዐን፣ ጎ/ሓ/ስ/ዞ/01 ኬሩ

ኣብ ኬሩ ዝእንገድ ዘሎ ስርሒትኣብ ኬሩ ዝእንገድ ዘሎ ስርሒት ዞባ 01 ንኡድ ምንቅስቓስዞባ 01 ንኡድ ምንቅስቓስ

እናተኻየዶ ይካየድእናተኻየዶ ይካየድንጥፈታት ስፖርት ክ/ሚ/ምክልኻል

ልዑል ተወዳዳርነት እናርኣየ ዉድድራቱ የሰላስል ኣሎ።። ኣብ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ። ሰቐርቀጠ

ንሓሊበት 2ብ1። ሂምቦል ምስ ዓራግ 2ብ2 ብዝኾነ ወጽኢት ተፈላልየን።። ግጥም ጋንታታት ሰቐርቀጣን ሓሊበትን ጐነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ጸወታ ነይሩ፣ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 ድማ ንዕረፍቲ ወጺአን፣ድሕሪ ዕሪፍቲ። ኣብ መበል 69 ደቒቕ ገባር

ዩዉሃንስ ናይ ሰቐርቀጣ ጾመ ሉጋም ናይቲ ግጥም ዝፈትሐት 1ይቲ ሸቶ ኣቑጺሩ።። ድሕሪ ኣስታት ርብዒ ስዓት። ተጻወትቲ ሓሊበት ብዘካየድዎ ጻዕሪ። ኣቐዲማ ንእተመዝገበቶም ሸቶ ሰረዙዋ።። ተቐይሩ ዝኣተወ ሄርሞን ነጋሲ ሸቶ ብምምዝጋብ ጸወታ 1ብ1 ናብ ዝኾነ ዉጽኢት ተመዓራርዩ።። ተጻወትቲ ሓሊበት ሓጐሶም ይገልጽሉ ኣብ ዝነበሩ ህሞት። ወዲ ጋንታኦሞ ሃብቶም ዘውደ ብዘርኣዩ ዘይስፖርታዊ ተግባር። ብቐይሕ ካርድ ተባረረ፣ግጥም ካልኣይ እብረ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ።

ሰቐርቀጣ ዳግም መሪሕነታ ተረከበት።። ገባር ዩወሃንስ ንዕኡን ንጋንታኡን ካልኣይቲ ሸቶ ብምምዝጋቡ። ሰቐርቀጣ 2ብ1 ተዓዊታ፣ቀጺለን ኣብ ሜዳ ዝተራእያ ጋንታታት

ሂሞባልን ዓራግን ኢየን።። ተጻወትቲ ናይዘነ ጋንታታት ብሓጺርን ነዊሕን እናተቐባበሉ ዝነኣድ ምንቅስቓስ’ዮም ኣርእዮም።። ገና ጸወታ ኣብ ምጅማሩ ኣብ 7ይ ደቒቕ ዮናስ በየነ ናይ ዓራግ ብፍጹም ቅላዕ ፈላሚት ሸቶ ኣቑጺሩ፣ እንተኾነ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ሓለቓ ጋንታ ሂምቦል ብኹርናዕ ዝመጻቶ ኵዕሶ ብርእሱ ኣብ መረብ ኣንጻር ጋንታኡ ብምዕራፉ። 1ብ1 ብዝኾነ ውጽኢት ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ኣኺሉ፣ ድሕሪ ዕረፍቲ። ክልቲአን ጋንታታት

ካብ ሓድሕድ ዘይሰንፍ ሓያል ናይ ሸቶ ፈተነታት የካይዳ ኣብ ዝነበራሉ እዋን። ኣብ መበል 60 ደቒቕ ሓላዊ ልዳት ብዝፈጸሞ ጉድለት ኣኽሊሉ ገብረስላሴ ናይ ሂምበል ነቲ ጉድለት መዝሚዙ ሸቶ ኣመዝገበ፣ ጋንታ ዓራግ ዝተመዝገበታ ሸቶ ንምሕዋይ

ኣብ ከቢድ ቃልሲ ተሸመመት፣ ሮቤል ተኸስተ ናይ ዓራግ ዝቐልዓ ነጻ ቅላዕ። ጸጋማይ ዓንዲ ልዳት ሃሪማ ዝተምልሰ ትድነቕ ፈተነ ነይራ፣ ኣብ መበል 83 ደቒቕ በርሀ ገ/ሚካኤል ብዝፈጸሞ በደል ብቐይሕ ካብ ሜዳ ተሰናቢቱ፣ በዚ ከኣ ተጻወቲ ዓራግ ብ10 ተጻወትቲ ጥራይ ጸወታኦም ክቕጽሉ ተቐሰቡ፣ የግዳስ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ካብ ምርካብ ኣይቦኾሩን፣ ኣብ ውዱእ ግዜ ዮናስ በየነ ናይ ዓራግ ዝረኸባ ነጻ ቅላዕ ናብ ሸቶ ለወጣ፣ ንሱን ጋንታኡን በተን ክልተ ሸቶታት ኣቢሎም ክጽውዑን። ነቲ ውጽኢት ናብ 2ብ2 ክልውጥዎን በቕዑ፣ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ካብ ዝተሰላሰሉ

ግጥማት ኵዕሶ መርበብ። እታ ብጽቡቕ ትግስግስ ዘላ ጋንታ ሰቐርቀጠ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ንሓሊበትን ኣባሓኒን ብተመሳሳሊ ውጽኢት 3ብ0 ረቲዓተን፣ ሳቡር ምስ ዓራግ ኣብ ዘካየድኦ ግጥም ከኣ ዓራግ 3ብ1 ተዓዊታ፣ ኣብቲ ዕለት’ቲ። ሓሊበት ንሂምቦል 3ብ0 ብዝኾነ ውጽኢት ኣሰናቢታታ፣ብተወሳኺ። ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ ሂምቦል

ምስ ሓሊበት ስሩዕ ናይ ጸወታ ግጥመን ኣካይደን ነይረን፣ ጸወታ ከኣ ብዓወት ጋንታ ሓሊበት 4ብ2 ተዛዚሙ፣ፈለማ ናይ ሂምቦል ሰላምይንገስ በየነ’ዩ

ልዳት ኣንጻር መጋጥምቱ ዝደፈረ፣ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ። ፊልሞን ናይ ሓሊበት ማዕረ እትገብሮም ትነኣድ ሸቶ ኣመዝገበ፣ 1ብ1 ብዝኾነ ውጽኢት ከኣ ንዕረፍቲ ኣምሪሐን፣ካልኣይ እብረ ብተዛማዲ ዝሓየለ ጸወታ’ዩ

ዝተንጸባረቘ፣ ክሳብ መበል 80 ደቒቕ ዝኾነ ተወሳኺ ሸቶ ከይተመዝገበ ድሕሪ ምጽንሑ። ኣኽሊሉ ገ/ስላሴ (ሂምቦል) ንጋንታኡ መሪሕነት ዘረከበት ሸቶ ኣመዝገበ፣ ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ። ተጻወቲ ሂምቦል ገና ሓጎሶም ከይወድኡ እንከለዉ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ቢንያም ደበሳይ ናይ ሓሊበት ነቲ ውጽኢት ናብ 2ብ2 ኣመዓራረዮ፣ ሽዑ’ውን ነዊሕ ከይጸንሑ። ተጻወትቲ ሓሊበት ኣከታቲሎም ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋቦም ጋንታኦም 4ብ2 ተዓዊታ ክትወጽእ ኣኽኢሎማ፣ ቴድሮስ ገ/ገርግሽ ህዝባዊ ርክባት ክ/ሚ/ምክልኻል

ስፖርታዊ ቅነ ክ/ሚ/ምክልኻል ልዑልስፖርታዊ ቅነ ክ/ሚ/ምክልኻል ልዑል ተወዳዳርነት የርኢተወዳዳርነት የርኢ

“40 ሚልዮን ፓውንድ። ሓደ “40 ሚልዮን ፓውንድ። ሓደ እግሪ ሪበሪ ናብ ካልኦት ክለባት እግሪ ሪበሪ ናብ ካልኦት ክለባት

ንምስግጋር’ውን ኣይኣክልን”ንምስግጋር’ውን ኣይኣክልን”ኣካያዲ ስራሕ ጀርመናዊት ክለብ

ባየር ሙኒክ ዝኾነ ኡሊ ሆነስ። ድሒሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ። 40 ሚልዮን ፓውንድ ንሓደ እግሪ ሪበሪ ናብ ካልኦት ክለባት ንምስግጋር’ውን ከምዘይኣክል ብምጥቃስ። ሪበሪ ካብ

...?ሃድን ማን. ዩናይትድ ናብሃድን ማን. ዩናይትድ ናብ

ብራዚላዊ ዶግላስ ኮስታ ብራዚላዊ ዶግላስ ኮስታ ኣድህቦ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ

ፍሉይ ብዝኾነ መልክዕ ናብ ብራዚላውያን ተጻወትቲ ዝዘዙ ዘሎ’ዩ ዝመስል፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ። እቶም ክልተ ማናቱ መንእሰያት ብራዚላውያን ተጻወትቲ’ታ ጋንታ ኣገዳሲ ተራ ከምዝህልዎም ተኣሚኑሎም ኣብ ዘሎ ግዜ። ኣንደርሰን ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ብቐዋምነት ብምስላፍ ናይ ማእከል ሜዳ ኣበርክቶኡ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ መሊሱ ከዕዝዝ ትጽቢት ዝግበረሉ ካልእ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኮይኑ ይርከብ፣ ሰር ኣሌክስ ፈርጕሰን ግን በዚ ዝዓገበ ኣይመስልን፣ ምኽንያቱ። ሕጂ’ውን እንተኾነ አዒንቱ ኣርሒቐን ናብ ብራዚል

ሲቲን ኣርሰናልን ኢየን ነይረን፣ እዚ ይኹን’ምበር። እቲ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ምስታ ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስተ ዋናጩ ዝጨበጠት ክለቡ ባርሴሎና ተወሳኺ ውዕል ንምፍራም ይቀራረብ ብምህላዉ ልቢ ኣናደይቱ ሰይሩ ኣሎ፣

ፋብሪጋስ። ናብ ባርሳ ከም ዘይከይድ ፋብሪጋስ። ናብ ባርሳ ከም ዘይከይድ ገሊጹገሊጹ

ሓለቓ ጋንታ ክለብ ኣርሰናል ሰስ ፋብሪጋስ። ኣብ 2003 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ’ዩ ካብ ባርሴሎና ናብ ኣርሰናል ዝተሰጋገረ፣ ዕቤቱ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተመስከረሉ ግዜ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ናብ ክለብ ባርሴሎና ክምለስ ምዃኑ ዝተፈላለያ ምንጭታት ክጠቕሳ ጸኒሐን ኢየን፣ ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ። ጻውዒት ኣሰልጣኒ ፐፐ ጓርዴላ እንተረኺቡ ናብ ባርሴሎና ክኸይድ ከምዝኽእል ዝጠቅስ ዜና ምዝርግሑ ይፍለጥ፣ እዚ ይኹን’ምበር። ፋብሪጋስ ናብ ባርሴሎና ናይ ምኻድ መደብ ከምዘይብሉ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ

ባየር ሙኒክ ክወጽእ እንተኾይኑ እታ ጋንታ ብርክት ዘበለ ገንዘብ ክትቕበል ከምዝግብኣ ኣገንዚቡ፣ እዚ ምስ ዘይከውን። ክለብ ባየር ሙኒክ ነቲ ተጻዋታይ ሒዛ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ-ስፖርት ዕዉት ውጽኢት ንምምዝጋብ ስርሓ ከም እተዋድድ ኣረዲኡ፣ኡሊ ሆነስ። “ሪያል ማድሪድ ንካካ 56

ሚልዮን ፓውንድ እንተውጺኣትሉ። ንክሪስቲያኖ ሮናልዶ ድማ ብ80 ሚልዮን ፓውንድ እንተዓዲጋቶ። ክለብ ባየር ሙኒካ ካብ ፍራንክ ሪበሪ ኣስታት 70 ሚልዮን ፓውንድ ዘይትጽበየሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ፣ እዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ

እንተሃልዩ። ክለብ ሪያል ማድሪድ ንዕዳጋ ምስግጋር ተጻወትቲ ማዕረ ክንደይ ኣሉታዊ ብዝኾነ መገዲ ጸልያቶ ምህላዋ ኢዩ፣ፍራንክ ሪበሪ። ብክለባት ማንቸስተር

ዩናይትድ። ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን ዝድለ ዘሎ ብሉጽ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ክለብ ባየር ሙኒክ ኢዩ፣

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ። ንብቕዓት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ። ንብቕዓት ተጻወትቲ ስጳኛ ክብ ምባሉ ተጻወትቲ ስጳኛ ክብ ምባሉ

ኣሰልጣኒ ዴል ቦስኵ ተኣሚኑኣሰልጣኒ ዴል ቦስኵ ተኣሚኑሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ስጳኛ።

ሓደ ካብቲ ናይ ዓለምና ዝበለጸት ጋንታ ክትከውን ዘኽኣላ ነጥቢ። ኣገደስቲ ኣባላታ ኣብ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ስለዝጻወቱ ምዃኑ ኣሰልጣኒ ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ቪሰንተ ዴል ቦስኵ ገሊጹ፣ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ዝእንገድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ኮንፈደረሽ ተጸሚዳ እትርከብ ሻምፕዮን ክለባት ኤውሮጳ ዝኾነት ስጳኛ። ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ንኒውዝላንድ ብቐሊሉ 5ብ0 ኣብ ዝረትዓትሉ። ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል ፈርናንዶ ቶረስ ሃትሪክ ምስርሑ ይፍለጥ፣ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ። 6 ምስ

ክለባት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ዝጻወቱ ስጳኛውያን ተጻወትቲ ኣለዉ፣ስጳኛ። ንኒውዝላንድ 5ብ0 ድሕሪ

ምስዓራ ኣብ 34 ተኸታተልቲ ግጥማ ስዕረት ከይቐመሰት ብምውጽኣ። ካብቲ ብደረጃ ዓለም ብሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ተታሒዙ ዘሎ ናይ ዘይተሳዓርነት ሪከርድ ተኸታታሊ ግጥማት ብሓደ ዓወት ምድሓራ ይፍለጥ፣ ናይ ትማሊ ረቡዕ ግጥም ኣንጻር ዒራቕ። ምስ ክብረወሰን ብራዚል ኣመዓራርዩዋ ዶ ወይስ

ብምውርዋር። ምስ ብራዚላዊት ክለብ ጅረምዮ ንዝጻወት ወዲ 18 ዓመት ኣከፋፋሊ ዶግላስ ኮስታ ናይ ምግዝኡ መስርሕ ማዕጾኣ ኣርሕዩ ይጽበዮ ኣላ፣ዶግላስ ኮስታ። ሓደ ካብቶም

ንክሪስቲያኖ ሮናልዶ ናይ ምትካእ ዓቕሚ ዘለዎም ተጻወትቲ ኮይኑ በታ ክለብ ማን. ዩናይትድ ተሓጽዮም ዘለዉ ተጻወትቲ ኢዩ፣ዶግላስ ኮስታ ምስ ክለብ ጅረምዮ

ዘጽንሖ ገና ናይ 4 ዓመታት ውዕል ኣለዎ፣ እዚ ይኹን’ምበር። ብኣስታት 17.8 ሚልዮን ፓውንድ ካብታ ጋንታ ክወጽእ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት የረድኡ፣

ግለን ጆንሰን - ናብ ሊቨርፑልግለን ጆንሰን - ናብ ሊቨርፑልክለብ ሊቨርፑል። ንወዲ 24 ዓመት

ተጻዋታይ ክለብ ፖርትስማውዝ

ግለን ጆንሰን ብኣስታት 18 ሚልዮን ፓውንድ ንምግዝኡ ትቀራረብ ኣላ፣ሊቨርፑል። ብመስርሕ

ምስግጋር ፒተር ክሮች ናብ ክለብ ፖርትስማውዝ። ንክለብ ፖርትስማውዝ ገና ዘይተኸፍለ 7 ሚልዮን ፓውንድ ትእውዳ ኢያ፣

ማን. ሲቲ። ኣገደስቲ ተጻወትቲ ተናዲማን. ሲቲ። ኣገደስቲ ተጻወትቲ ተናዲ= ክለብ ማንቸስተር ሲቲ 6

ተወሰኽቲ ተጻወትቲ ናብታ ጋንታ ናይ ምምጻእ መደብ ከምዘለዋ ገሊጻ፣ ኣብዚ ክራማት ናብታ ጋንታ ዝተሳሕበ ቀዳማይ ተጻዋታይ። ናይ ኣስቶን ቪላ ጋረት ባሪ ኢዩ፣ ንሱ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ሲቲ ምስግጋሩ ይግለጽ፣

ቶረ። ኣብ ባርሳ ክጸንሕ ወሲኑቶረ። ኣብ ባርሳ ክጸንሕ ወሲኑንያያ ቶረ ካብ ዘማዕደዋ ክለባት -

ማንቸስተር ዩናይትድ። ማንቸስተር

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረዲኡ፣

ማድሪድ ብኣሎንሶ ተስፋ ቆሪጻማድሪድ ብኣሎንሶ ተስፋ ቆሪጻንስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ክለብ ሊቨርፑል

ዛቢ ኣሎንሶ ናይ ምግዛእ ተበግሶ ክለብ ሪያል ማድሪድ ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ከም ዝኾነ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን፣

ቶረስ። ቪላ ኣብ ሊቨርፑል ቶረስ። ቪላ ኣብ ሊቨርፑል ክጽምበሮ ይጉስጉስክጽምበሮ ይጉስጉስ

ክለብ ሊቨርፑል ንዴቪድ ቪላ ብምፍራም። መስመር መጥቃዕቲ ስጳኛ - ኣብ እንግሊዝ ኣብ ክለብ ሊቨርፑል ክቐርብ ስጳኛዊ ኣጥቃዓይ’ታ ጋንታ ፈርናንዶ ቶረስ ደጊሙ ጸዊዑ፣ እዚ ይኹን’ምበር። ክለባት ባርሴሎና። ማንቸስተር ዩናይትድን ቸልሲን ነቲ ተጻዋታይ ናይ ምፍራም ድሌት ስለዘለወን። ክለብ ሊቨርፑል ምስዘን ዓበይቲ ክለባት ክትወዳደር ትግደድ፣

“ዋጋ ጁሴፐ ሮሴ 40 ሚልዮን “ዋጋ ጁሴፐ ሮሴ 40 ሚልዮን ዮሮ’ዩ”ዮሮ’ዩ”

ክለብ ቪያ ሪያል ንኢጣልያዊ ኣጥቃዓያ ጁሴፐ ሮሲ ኣብ ዕዳጋ’ኳ እንተዘየቕረበቶ። ዋጋኡ ክሳብ 40 ሚልዮን ዩሮ ከምዝበጽሕ ገሊጻ፣ ጁሴፐ ሮሲ። ኣብ ቀረባ ወርሒ ኣብ

መንጎ ክለባት ኣርሰናልን ቪያ ሪያልን ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ብመስበርቲ ምኽንያት ዘይተሰለፈ ተጠማቲ ተጻዋታይ ናይታ ስጳኛዊት ጋንታ ኢዩ፣ ብሰሉስ 16 ሰነ 2009። ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ኣንጻር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ዋንጫ ኮንፈደረሽን ተቐይሩ ድሕሪ ምእታዉ ብክልተ ሸቶታቱ ዓወት ሃገራዊት ጋንታኡ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ትስፉው መንእሰይ ኢዩ፣ ጁሴፐ ሮሲ። ኣመሪካዊ መበቆል ዘለዎ

ወዲ 22 ዓመት ብሉጽ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ኢዩ፣

Page 12: Haddas Eritrea - June 18, 2009

12ሓዳስ ኤርትራ 18 ሰነ 2009

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት።- ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪቤ/መ/መ ጎዳይፍ 18/06/09 ጐደና እምበረሚ 755 ከባቢ ሚ/ሪ ሕርሻ 181672ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1። 127565

ኣብ ጓንታናሞ-በይ ብዘይ ፍርዲ ተዳጕኖም ዝጸንሑ ጥርጡራት ግብረሽበራ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሰጋገሩ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን፣

በዚ መሰረት። ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ፓልዋ 17 እሱራት። ደሴት ፔርሙዳ 4። ዜጋታታት ስዑዲ-ዓረብ ዝዀኑ 3 እሱራት። ስጳኛ 5። ኢጣልያ ድማ 3 እሱራት ክወስዳ ተሰማሚዐን ኣለዋ፣

ብሪጣንያ። ኣውስትራልያ። ሽወደንን

እሱራት ጓንታናሞ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሰጋገሩ

ካልኦት ሃገራት’ውን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ እሱራት ክቕበላ ተሰማሚዐን ከምዘለዋ ተፈሊጡ፣

እቶም ናብ ፓልዋ ዝተሰጋገሩ 17 እሱራት። ቻይናውያን ብምዃኖም መንግስቲ ቻይና ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ክለኣኹ ጸዊዑ ኣሎ፣

ምምሕዳር ባራክ ኦባማ። ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ክዓጽዎ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ። ነቶም እሱራት ብግዝያውነት ይኹን ብኻልእ ስምምዕ ዘጽንሓሉ ሃገራት ከናዲ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገር፣

ይኹን’ምበር ነቶም እሱራት ጓንታናሞ መሓዙት ኣመሪካ ናብ ዝዀና ሃገራት የሰጋግሮም ብምህላዉ። እቲ ብኣባላት ወኪል ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ - ሲ.ኣይ.ኤ. ዝካየድ ዝነበረ ኣሰቓቒ ኣገባብ መርመራ ኣብተን ሃገራት’ውን ክቕጽል ከምዝኽእል’ዮም ተዓዘብቲ ዝሕብሩ፣

ፓልዋ ክሳብ 1994 ብመንግስቲ ኣመሪካ እትመሓደር ዝነበረት ካብ ፍሊፒንስ ንምብራቕ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት እያ፣

ኣቐዲሙ። ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ እቶም ኣብ ጓንታናሞ (መሬት ኩባ) ተቐይዶም ዘለዉ ጥርጡራት ናብ ውሽጢ መሬት ኣመሪካ ኣትዮም ፍርዳዊ መስርሕ ከየካይዱ ተቓዊሙ ኔሩ’ዩ፣

ጓንታናሞ-በይ። ኣብ 1903 ኣብ መንጎ መንግስታት ኩባን ኣመሪካን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት። ኣመሪካ ሓይሊ ባሕሪ ከምዘቘመትሉ መዛግብቲ የመልክቱ፣

ካብ 1934 ንደሓር ኣመሪካ ብመልክዕ ክራይ ኣብቲ ቦታ ክትጸንሕ’ኳ እንተተሰማማዐት። ኣብ 1959 መሪሕነት ፊደል ካስትሮ ንኩባ ምስ ተቘጻጸረ ግና ኩሉ’ቲ ስምምዓት ውዱቕ ከምዝኾነ ይግለጽ፣

እንተኾነ። ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ከይለቐቐት ከምዝጸንሐትን ካብ 2002 ኣትሒዛ ድማ እሱራት ትዳጉነሉ ከምዘላን ይፍለጥ፣

ትካል ምፍራይ ተንቀሳቐሲ ተሌፎን ኖክያ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጸሓያዊ ጸዓትን። ማዕበል ሬድዮ (radio waves) ብምጥቃም ባትሪ እትመልእን እትሰርሕን ተሌፎን ከምዝመሃዘ ገሊጹ፣

እታ ተሌፎን ካብ መደበራት ሬድዮን ተለቪዥንን ዝፍኖ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ሞባይላት ዝምንጩ ኣብ ኣየር ዝንቀሳቐስ ማዕበላት ብምጥቃም “ቻርጅ” ከምእትገብር ኣፍሊጡ፣

እታ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ። ኣብ ኣየር ንዝዝምቢ ማዕበላት እትጥቀም ተሌፎን 50 ሚሊዋት ጸዓት ከምዘድልያን እዚ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝዀነን ተሓቢሩ፣

* * * *ተመራመርቲ ብሪጣንያ። ብረት

ዝዕጠቑ ሰባት ክትፍትሽ እትኽእል ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ከምዝመሃዙ ተገሊጹ፣

እታ ተሌፎን ካብ ዝተወሰነ ርሕቀት። ሰባት ዝሓብእዎ ሽጕጥ። ካራ ይኹን ብሓጺን ዝተሰርሑ ካልኦት ንኣሽቱ ኣጽዋር ከተለልን ምልክት ክትህብን ከምእትኽእል ተሓቢሩ፣

ኣዝዩ ሓጺር ማዕበል (micro-waves) ብምጥቃም ነቲ መስርሕ ከምእተካይዶን ኣባላት ፖሊስ ይኹኑ ውልቀ ሰባት ክጥቀሙላ ከም ዝኽእሉን ድማ ተፈሊጡ፣

እታ ተሌፎን ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ካልእን ምስ ዘሎ ኤሌክትሮኒካዊ መፈተሺ መሳርሒ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኣገባብ’ያ ትጥቀም፣

ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝለዓለ ናይ ምልባዕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝተኣወጆን ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎን ሕማም ኢንፍሉዌንዛ ኤ። ኤች1 ኤን1 ኣብ የመንን ሞሮኮን ንመጀመርያ ግዜኡ ከምዝተራእየ ማዕከናት ዜና ሓቢረን፣

እቲ ኣብ የመን ዝተራእየ። ካብ ኣመሪካ ዝኣተወ የመናዊ መንእሰይ ሒዝዎም ዝመጽአ ከምዝኾነ ዝገለጹ ሰበ-ስልጣን ጥዕና የመን። እቲ መንእሰይ ናብ ካልኦት ሰባት ከየመሓላልፍ ተወሺቡ ከምዘሎ ገሊጾም፣

እቲ ሕማም ኣብ ሞሮኮ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ጋሻ ከምዘእተዎን እቲ ግዳይ ድሕሪ ዝተሰምዖ ረስኒ መርመራ ምስ ተገብረሉ በቲ ሕማም ተለኺፉ ከምዘሎ ከምዝተረጋጋጸን ተፈሊጡ፣

እቲ ኢንፍሉዌንዛ። ኣብ ዮርዳኖስን ቐጠርን’ውን ንፈለማ እዋን ከምዝተራእየ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ወሽመጥን

ኢንፍሉዌንዛ ኤች.1ኤን1 ኣብ የመን ተራእዩብሓፈሻ። ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ድማ ብፍላይ ብሰፊሑ ይላባዕ ከምዘሎ ተሓቢሩ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ኣብ ብሪጣንያ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ኢንፍሉዌንዛ ኤች1 ኤን1። ኣብ ኣርጀንቲና’ውን ንኻልኣይ ግዜ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ተመሳሳሊ ተርእዮ ከምእተኸስተ ተገሊጹ፣

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ሜክሲኮ ዝጀመረ ኢንፍሉዌንዛ ኤች1 ኤን1። ናብ ልዕሊ 75 ሃገራት ብምልባዕ ዛጊት 165 ሰባት ከም ዝቐተለን 37 ሽሕ ካልኦት ድማ ከምዘሕመመን ጸብጻባት ዓለምዊ ውድብ ጥዕና የረድእ፣

ኢንፍሉዌንዛ ኤች1 ኤን1 ዓለማዊ ለበዳ ተባሂሉ ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና

ካብ ዝእወጅ ንደሓር ጥራይ ናብ ሓደስቲ ሃገራት ከስፋሕፍሕ ይርአ ብምህላዉ። ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ። ዝበኣሰ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ክኢላታት ጥዕና የጠንቅቑ፣

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።

ነቲ ሕማም ዝከላኸል ክታበት ተዳልዩ ከምዘሎን ብቐዳምነት ንህጻናት ንምኽታብ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ተፈሊጡ፣

መገዲ ኣየር ብሪጣንያ። ንኣስታት 30 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ንዝመጽእ ሓደ ወርሒ ብዘይ መሃያ ብናጻ ከገልግሉ ከምዝሓተተ ማዕከናት ዜና ሓቢረን፣

መገዲ ኣየር ብሪጣንያ። ንሰራሕተኛታቱ ብመገዲ ኢ-ሜይል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ። ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ክሳራታት ንምድሓን ሰራሕተኛታቱ ብቐዳምነት ክተሓባበርዎ ጸዊዑ ኣሎ፣

ድሮ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ዊሊ ዋልሽ ናይ ወርሒ ሰነ ደሞዙ ማለት ኣስታት 61 ሽሕ ፓውንድ ከምዘይተቐበለ ገሊጹ፣

መገዲ ኣየር ብሪጣንያ። ክብረወሰን ዝሓዘ 401 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝኸሰረን ብኸምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ጥፍሽና ክኣቱ ተኽእሎ ከምዘለዎን ገሊጹ ኔሩ’ዩ፣

ሰራሕተኛታቱ ብናጻ ንሓደ ወርሒ እንተሰሪሖም ነቲ ኩባንያ ኣዝዩ ክጠቕሞ ምዃኑ ድማ ዋሊሽ ይሕብር፣

እዚ ከምዚሉ ከሎ። ኣህጉራዊ ማሕበር ካብ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ ብዘይ

ሕጋዊ ኣገባብ ክሰግራ ዝተታሕዛ ክልተ ኣመሪካውያን ጋዜጠኛታት ብበደለን ከም ዝተኣመና ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን፣

እተን ኢና ሊን ላውራ ሊንግን

መገዲ ኣየር ብሪጣንያ። ሰራሕተኛታቱ ብናጻ ከገልግሉ ሓቲቱ

መጐዓዝያ ነፈርቲ (IATA) ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 22 ሚእታዊት ናይ ስራሕ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ኣፍሊጡ፣

እቲ ማሕበር ኣብ 2008 ምስ ዝነበረ ኩነታት ክወዳደር እንከሎ። እቲ ምንቍልቋል ብ44% ከምዝወሰኸ ተገሊጹ፣

ኣብ ኢንዱስትሪ መጐዓዝያ ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣስታት ትሽዓተ ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከጋጥም ምዃኑ ኣህጉራዊ ማሕበር መጐዓዝያ ነፈርቲ ሓቢሩ ኔሩ’ዩ፣

ኣህጉራዊ ማሕበር መጐዓዝያ ነፈርቲ። 230 መገዲ ኣየራት ዝሓቝፍን 93 ሚእታዊት ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዓለም ዝሽፍንን ዓቢ ማሕበር እዩ፣

እቲ ኢንዱስትሪ ብሰንኪ ወሪድዎ ዘሎ ክሳራ ብጠቕላላ ኣስታት 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከባርር ተገዲዱ ከምዘሎ ብምሕባር። እዚ ድማ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ካብ ዘጋጠሞ ክሳራታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ፣ሰሜን ኮርያ። ኣመሪካውያን ጋዜጠኛታት በደለን ተኣሚነን

ዝተባህላ ናይ ቻይና መበቆል ዘለወን ጋዜጠኛታት። ናብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን ባዕለን ዝቐረጻኦ ደኮሜንታሪ ከምዘረጋገጸ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ፣

ሰሜን ኮርያ ነተን ኣባላት ስለያ ኣመሪካ ከምዝኾና ዝጠርጠረተን

ጋዜጠኛታት ብተግባራት ተጻብኦን ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብን ብምኽሳስ ብኸቢድ ዕዮ ዝስነ ናይ 12 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝፈረደተን ይፍለጥ፣

እተን ኣመሪካውያን ብ12 መጋቢት ብቪድዮ እናሰኣላ እንከለዋ ኣብ ውሽጢ መሬት ሰሜን ኮርያ ከምዝተታሕዛ እዩ ዝግለጽ፣

ኣቐዲማ ጸሓፊት ጉዳያት

ወጻኢ ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተን። ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ እተን ጋዜጠኛታት ዝመስረተቶ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ብምጥቃስ። እተን ብኽሲ ስለያ ተቐዪደን ዘለዋ ኣመሪካውያን ብህጹጽ ክልቐቓ ክትጽውዕ ጸኒሓ’ያ፣

እተን ኣመሪካውያን። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዘሎ። ምፍሕፋሕ ኣብ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብኽሲ ስለያ ምቕያደን መዋገዪ ከይኮና ከምዘይተርፋ ተዓዘብቲ ይገልጹ፣

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሳተላይት ድሕሪ ምውንጫፋን ዝተፈላለየ ርሕቀት ዝሽፍን ሓያሎ ሚሳይላት ድሕሪ ምፍታናን። ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ደበና ኲናት ኣንጠጢዩ ከምዘሎ ምንጭታት ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ይሕብሩ፣