12
መበል 22 ዓመት ቁ. 361 27 ነሓሰ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 4 ሃገራዊ ፈስቲቫል ኣብ ሓድሽ ቦታ ኣሰር ኣንቢሩ ተዛዚሙ ገጽ 3 ጀበልጣሪቕ - ንስጳኛን ብሪጣንያን ናብ ውግእ ትሸመን ዶ? ገጽ 10 ስድራ-ቤታት ክለባት ጥዕና ኣብ ዘቤታዊ ቱሪዝም ገጽ 8 ላማሲያ ገጽ 5 ውዕሎ ጀጋኑ 2013 ሰሉስ “ባህላዊ ውርሻና፡ ማእከል ቱሪዝማዊ ስሕበት” ብዝብል ቴማ ካብ 17 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2013፡ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ንዕዉታት ዞባታት፡ ንኡሳን ዞባታትን ውልቀ-ሰባትን ሽልማት ብምዕዳል፡ ብ25 ነሓሰ ብልዑል ድምቀት ተዛዚሙ። ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ብድምቀት ንምጽንባል ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምድላዋት፡ ዞባታት ብሉጽን ተወዳዳርን ትሕዝቶ ከቕርባ ከምዝሓገዘን ጠቒሱ፡ ኣብ መንጎ ሽዱሽተ ዞባታትን 12 ንኡሳን ዞባታት ደቡብን ዝተኻየደ ሓያልን መሳጥን ውድድራት ድማ ፍሉይነት ከምዝነበሮ ሓቢሩ። ንተሳታፍነት ህዝቢ ኣመልኪቱ ድማ ኣቶ ኣብርሃም፡ ፈስቲቫል ደቀምሓረ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ብልዑል ድምቀት ተዛዚሙ ዝካየደሉ ቦታ ብዘየገድስ ሃገራዊ ንግደትምዃኑደጊሙዝተመስከረሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ዝተገብረ ናይ ፈለማ ፈስቲቫል ኣስታት 800 ሽሕ ነጋድያን ክበጽሑዎ ምኽኣሎም ህያው ኣብነት ናይዚ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ኤግዚቢሽን ዞባታት፡ ምርኢት ንኡሳን ዞባታት ደቡብ፡ ፍርያት ትካላት ዞባ ደቡብ፡ ቍሸት ገድሊ፡ ቍሸት ህጻናት፡ ውድድር ያታዊ ስፖርት፡ ምህዞን ሰንዓን፡ መደብ ሸነን ያታና፡ ኣፋዊ ያታታት፡ ቅርስታትን ካልእን ክቐርብ እንከሎ፡ ብነጋድያን ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ። ኣብ መወዳእታ፡ ጎብለል ያታዊ ስፖርት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብ‘ሸነን ያታና’ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ድማ ዞባ ዓንሰባ ክዕወታ እንከለዋ፡ ኣብ መንጎ ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ብዝተኻየደ ውድድራት ድማ፡ ብያታዊ ስፖርት ንኡስ ዞባ ማይምነ፡ ብያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሓፈሻ ድማ ንኡስ ዞባ ማይምነ ጎብለል ብምዃን ተዓዊተን። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ብሄር ሓንቲ ስድራ- ቤት እትሓልፎ መስርሕ ህይወትን መነባብሮን ከምኡ’ውን እትጥቀመሉ ናውቲ፡ ኣገባብ ኣተሃናንጻ ኣባይቲ፡ ስርዓተ-መውስቦን ካልእን ዘጠቓልል መደብ ‘ሸነን ያታና’፡ ንፈስቲቫል 2013 ፍሉይ መቐረትን ድምቀትን ዝወሰኸሉ ምንባሩ’ዮም ነጋድያን ገሊጾም፣ ኣብ’ዚ መደብ፡ ዞባ ማእከል ንብሄረ ትግርኛ፡ ደቡብ ንብሄረ ሳሆ። ዓንሰባ ንብሄረ ብሌንን ሕዳረብን። ጋሽ-ባርካ ንኩናማን ናራን። ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንትግረን ራሻይዳን። ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንብሄረ ዓፋር ወኪለን’የን ቀሪበን። ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት፡ ኣካዳሚያዊ ብቕዓትን ደረጃን ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ንምብራኽ ልዑል ጻዕሪ የካየድ ከምዘሎ፡ ኣዛዚ ናይ’ቲ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል እድሪስ ዳምር ገሊጹ። ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ ትምህርቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሌተናል ኮሎኔል እድሪስ፡ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት ዝህቦ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ትምህርቶም ክቕጽሉን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሑን ዘተባብዕ ምዃኑ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት፡ ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ክብ ንምባል ልዑል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ማእከል ምእራምን ተሃድሶን፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ካብ ዝፈጸምዎ በደልን ገበንን ክእረሙን ክህደሱን፡ ካብኡ ምስ ወጹ ድማ ብዝቐሰምዎ ሞያን ፍልጠትን ኣብ ምምሕያሽመነባብሮኦምንከባቢኦምን እወታዊ ለዉጢ ከምጽኡ ሓያል ጻዕሪ ከምዝገብር ብምሕባር ድማ፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ኣብቲ ማእከል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ። ናይ ሕጊ ተኣረምቲ መንእሰያት እድሪስ ኢብራሂምን ኣልኣሚን ያሲንን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ መአረሚ ቦታ ኮይኖም ትምህርቶም ክቕጽሉን ክህደሱን ዕድል ብምርካቦም ሕጉሳት ምዃኖም ብምምልካት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብዝረኸብዎ ዕድል ክጽሕፉን ከንብቡን ከም ዝበቕዑ ጠቒሶም፡ በቲ ማእከል ንዝግበረሎም ዘሎ ናብዮትን ክንክንን ኣመስጊኖም፡ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ትምህርቶም ጸብለልታ ንዘርኣዩ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ሽልማት ተዓዲሉ።

ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

  • Upload
    others

  • View
    16

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

መበል 22 ዓመት ቁ. 361 27 ነሓሰ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 4ሃገራዊ ፈስቲቫል ኣብ

ሓድሽ ቦታ ኣሰር ኣንቢሩ ተዛዚሙ

ገጽ 3ጀበልጣሪቕ - ንስጳኛን

ብሪጣንያን ናብ ውግእ ትሸመን ዶ?

ገጽ 10ስድራ-ቤታት ክለባት ጥዕና ኣብ ዘቤታዊ ቱሪዝምገጽ 8

ላማሲያ

ገጽ 5

ውዕሎ ጀጋኑ

2013

ሰሉስ

“ባህላዊ ውርሻና፡ ማእከል ቱሪዝማዊ ስሕበት” ብዝብል ቴማ ካብ 17 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2013፡ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ንዕዉታት ዞባታት፡ ንኡሳን ዞባታትን ውልቀ-ሰባትን ሽልማት ብምዕዳል፡ ብ25 ነሓሰ ብልዑል ድምቀት ተዛዚሙ።

ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ደቡብ ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ብድምቀት ንምጽንባል ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምድላዋት፡ ዞባታት ብሉጽን ተወዳዳርን ትሕዝቶ ከቕርባ ከምዝሓገዘን ጠቒሱ፡ ኣብ መንጎ ሽዱሽተ ዞባታትን 12 ንኡሳን ዞባታት ደቡብን ዝተኻየደ ሓያልን መሳጥን ውድድራት ድማ ፍሉይነት ከምዝነበሮ ሓቢሩ።ንተሳታፍነት ህዝቢ ኣመልኪቱ

ድማ ኣቶ ኣብርሃም፡ ፈስቲቫል

ደቀምሓረ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ብልዑል ድምቀት ተዛዚሙ

ዝካየደሉ ቦታ ብዘየገድስ ሃገራዊ ንግደት ምዃኑ ደጊሙ ዝተመስከረሉ

ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ዝተገብረ ናይ

ፈለማ ፈስቲቫል ኣስታት 800 ሽሕ ነጋድያን ክበጽሑዎ ምኽኣሎም ህያው ኣብነት ናይዚ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ኤግዚቢሽን ዞባታት፡ ምርኢት ንኡሳን ዞባታት ደቡብ፡ ፍርያት ትካላት ዞባ ደቡብ፡ ቍሸት ገድሊ፡ ቍሸት ህጻናት፡ ውድድር ያታዊ ስፖርት፡ ምህዞን ሰንዓን፡ መደብ ሸነን ያታና፡ ኣፋዊ ያታታት፡ ቅርስታትን ካልእን ክቐርብ እንከሎ፡ ብነጋድያን ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ጎብለል ያታዊ ስፖርት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብ‘ሸነን ያታና’ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ድማ ዞባ ዓንሰባ ክዕወታ እንከለዋ፡ ኣብ መንጎ ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ብዝተኻየደ ውድድራት ድማ፡ ብያታዊ ስፖርት ንኡስ

ዞባ ማይምነ፡ ብያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሓፈሻ ድማ ንኡስ ዞባ ማይምነ ጎብለል ብምዃን ተዓዊተን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ብሄር ሓንቲ ስድራ-ቤት እትሓልፎ መስርሕ ህይወትን መነባብሮን ከምኡ’ውን እትጥቀመሉ ናውቲ፡ ኣገባብ ኣተሃናንጻ ኣባይቲ፡ ስርዓተ-መውስቦን ካልእን ዘጠቓልል መደብ ‘ሸነን ያታና’፡ ንፈስቲቫል 2013 ፍሉይ መቐረትን ድምቀትን ዝወሰኸሉ ምንባሩ’ዮም ነጋድያን ገሊጾም፣

ኣብ’ዚ መደብ፡ ዞባ ማእከል ንብሄረ ትግርኛ፡ ደቡብ ንብሄረ ሳሆ። ዓንሰባ ንብሄረ ብሌንን ሕዳረብን። ጋሽ-ባርካ ንኩናማን ናራን። ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንትግረን ራሻይዳን። ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንብሄረ ዓፋር ወኪለን’የን ቀሪበን።

ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት፡ ኣካዳሚያዊ ብቕዓትን ደረጃን ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ንምብራኽ ልዑል ጻዕሪ የካየድ ከምዘሎ፡ ኣዛዚ ናይ’ቲ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል እድሪስ ዳምር ገሊጹ። ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መዛዘሚ

ትምህርቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሌተናል ኮሎኔል እድሪስ፡ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት ዝህቦ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ትምህርቶም ክቕጽሉን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሑን ዘተባብዕ ምዃኑ

ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ኣቑርደት፡ ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ክብ ንምባል ልዑል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ

ሓቢሩ።ኣገልግሎት ማእከል ምእራምን

ተሃድሶን፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ካብ ዝፈጸምዎ በደልን ገበንን ክእረሙን ክህደሱን፡ ካብኡ ምስ ወጹ ድማ ብዝቐሰምዎ ሞያን ፍልጠትን ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮኦምን ከባቢኦምን እወታዊ ለዉጢ ከምጽኡ ሓያል ጻዕሪ ከምዝገብር ብምሕባር ድማ፡ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ኣብቲ ማእከል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።ናይ ሕጊ ተኣረምቲ መንእሰያት

እድሪስ ኢብራሂምን ኣልኣሚን

ያሲንን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ መአረሚ ቦታ ኮይኖም ትምህርቶም ክቕጽሉን ክህደሱን ዕድል ብምርካቦም ሕጉሳት ምዃኖም ብምምልካት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኸቡ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብዝረኸብዎ ዕድል ክጽሕፉን ከንብቡን ከም ዝበቕዑ ጠቒሶም፡ በቲ ማእከል ንዝግበረሎም ዘሎ ናብዮትን ክንክንን ኣመስጊኖም፡ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ትምህርቶም

ጸብለልታ ንዘርኣዩ ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ሽልማት ተዓዲሉ።

Page 2: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 2

12፡00 መደብ ሪምና

12፡30 ዜና ብትግርኛ

12፡55 ጉዳይ ኣብ ዘተ

13፡30 ዜና ብዓረብ

13፡50 ጸብጻብ ፈስቲቫል 2013 ኣብ ከተማ ደቀምሓረ

14፡20 ኖሪት

15፡10 news higlights

15፡45 ተኸታታሊት ፊልም x-files

16፡55 erispora

17፡20 ዶክቶራት ኣብ ስቱድዮ

18:25 ማየጥለቡ ኣልሙሻህዲን

19፡00 ዜና ብትግረ

19፡20 ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት

20፡00 ዜና ብዓረብ

20፡20 መደብ ስፖርት

21፡00 ዜና ብትግርኛ

21፡30 ካብ ዘንበብናዮ

22፡15 ዜና ብእንግሊዝ

22፡30 Media Offline

23፡00 ህርመት

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ደቀንስትዮ ዞባ ማእከል፡ መንግስቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ትካላት ጥዕና ብምስራሕ፡ ሞያዉያን ብምምዳብን ዘድሊ መሳርሒን መድሃኒትን ብምውዳድን ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ድሕነት ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምዉሓስ ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ፡ ኣብ ባይታ ጽቡቕ ዉጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ገሊጸን።እተን ደቂኣንስትዮ ኣብ

መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ንዝሕከማ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ

ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ መጒሰን

ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣደ-መንበር ማሕበር ኣላሞ ‘ቅሳነት’ ወይዘሮ ጸጋ ክፍሎም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ደቂኣንስትዮ ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ብምምልካት፡ እቲ መደብ - ነተን ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ እናተሓከማ ዝእለያ ዘለዋ ግዳያት ፊስቱላ ንምትብባዕ ዝወሰድኦ ተበግሶ ምዃኑ ኣብሪሃ።ኣብ መወከሲ ሆስፒታል

መንደፈራ ሓኪም ፊስቱላ ዶክተር

ሃብተ ሃይለመለኮት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንጠንቂን ሳዕቤናትን ፊስቱላ

ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውጋድ ጠንቂ

ፊስቱላ ተራኡ ከበርክት ተላብዩ።ካብ ፋንኮ - ንኡስ ዞባ ተሰነይ

ዝመጸት ወይዘሮ ኣምና ኣድም፡ ሳላ ተገዳስነት ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ዝግበረለን ዘሎ ናብዮትን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላ ብምግላጽ፡ ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ደቂኣንስትዮ ዞባ ማእከል ንዝገበራለን ኣበርክቶን ዝሃብአን ሞራልን ኣመስጊና።ካብ ቀርጸ-ቀምጠ - ንኡስ ዞባ

ማይ-ዓይኒ ዝመጸት ወይዘሮ ምሕረት ኣርኣያ ብወገና፡ ኣብ ገዛ ድሕሪ ምሕራሳ ሂወታ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ምንባሩ ብምዝካር፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምሕካማ ግን ንነብሳ ዳግማይ ከምእተፈጥረት ከምእትቘጽራ ገሊጻ።ኣብ ዓመተ 2011 ዝተመስረተ

ማሕበር ኣላሞ ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ማእከል ሸዉዓተ ንኡሳን ማሕበራት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ክዳዉንቲ ሓበሻ ብምፍራይ ናብራአን ዝመርሓ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ኣባላት ኣለውኦ።

ብደረጃ ዓለም ንነዊሕ እዋን ኣቓልቦ ስኢኖም ዝጸንሑ ትሮፒካዊ ሕማማት ካብ ኤርትራ ንምጥፍኦም ናይ ኣርባዕተ ዓመት መርሓ-ውጥን ተዳልዩ ብዝለዓለ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ 22 ክሳብ 23 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ-ዘተ ገሊጹ።ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ

ኤርትራ ዶክተር ዮውሃንስ ገብራት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕላማ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕናን’ቲ ውድብን ካብ 2013 ክሳብ 2016፡ ንትራኮማ፡ ማይ-ወለድ ሕማማት፡ ደዌን ካልኦትን ንምጥፋእ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ዶክተር ዮውሃንስ ኣስዒቡ፡ መንግስቲ

ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ መሻርኽቱ ድማ ብፍላይ ነዞም ሕማማት ንምክልኻሎምን ንምጥፍኦምን ልዑል ጻዕሪ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ህዝቢ ብዛዕባ ዝረኣዩ ሓደስቲ ሕማማት ተቐላጢፉ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከባ ትካላት ጥዕናን ሞያውያንን ክሕብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር

ንጎዚ ብወገና፡ ብደረጃ ዓለም ሓደገኛ ተባሂሎም ዝጥቀሱ 12 ሕማማት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣቓልቦ ስኢኖም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን ግን ካብ ኣፍሪቃ ንምጥፍኦም ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎም ይስራሓሎም ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ንቕሓቱ ኣበሪኹ ንምጥፍኦም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺራ።ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር

ምቍጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት

ኤርትራ፡ ትሮፒካዊ ሕማማት ንምጥፋእ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ

ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ ድማ፡ ነዞም ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎም ሕማማት ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሃገርና ንምጥፍኦም ወጺኡ ዘሎ መደብ ንምዕዋት ብወገን መንግስቲ ልዑል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ህዝቢ ሓድሽ ተርእዮ ሕማም ኣብ ዝዕዘበሉ እዋን ንትካላት ጥዕና ናይ ምሕባር ግዴታ ስለዘለዎ ብግብሪ ክሰርሓሉ ተላብዩ። ተሳተፍቲ፡ ኣብቶም ንምጥፍኦም

ተጠቒሶም ዘለዉ ሕማማት ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት መደበራት ጥዕና ክሰፍሓ፡ ኩለን ትካላት መንግስቲ ዕላማ’ዚ ውጥን ተረዲኤን ሱታፌአን ከዕዝዛ፡ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ንዝርእዮም ሓደስቲ ሕማማት ተቐላጢፉ ናብ ቀረባኡ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ክሕብር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

Page 3: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 3

ተስፋኣለም የማነ

ጀበልጣሪቕ - ንስጳኛን ብሪጣንያን ናብ ውግእ ትሸመን ዶ?

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተደኲና እትርከብን ልዑል ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ጀበልጣሪቕ (ጂብራልታር)፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ሓይሊታት ኤውሮጳ ተቐርቂራ ናብ እተብሎ ሓርቢቱዋ ኣሎ። ብሪጣንያን እስጳኛን ብሰንካ ካብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚረን ኣብ ሓያል ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ወጥሪ ተጸሚደን ኣለዋ። ነቲ ጠንቂታት ክፍውሳ ኣብ ክንዲ ዝፍትና ድማ መሊሰን ከርሕብኦን ከብእስኦን ይራኣያ ኣለዋ። በዚ ከኣ እቲ ወጥሪ እናኸረረን ዘይተደልየ መኣዝን እናሓዘን ክኸይድ ጀሚሩ ኣሎ። ተንተንቲ ፖለቲካ ናይ’ቲ ከባቢ ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ብጉዳይ ጀበልጣሪቕ ተኸሲቱ ዘሎ ኣሻቓሊ ወጥሪ ቀንዲ መንቀሊኡ እቲ ንኽልቲአን ሃገራት ኣጋጢምወን ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ንዕኡ ንምፍዋስ ዝወስድኦ ዘለዋ ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ስጉምቲታትን’ዩ። ዜጋታት ናይዘን ሃገራት ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነትን ክብሪ መነባብሮን ድኽነት ዳግማይ ክምለሶም ይጅምር ብምህላዉ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾዪጦም ዘለዉ መንግስታት ኣብ ከቢድ መዋጥር’ዮም ተሸሚሞም ዝርከቡ። በዚ ከኣ ጉዳይ ጀበልጣሪቕ ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ካልእ ዛዕባ ጠምዚዝካ ካብዚ መዋጥር’ዚ ግዜያዊ እፎይታ ንምርካብ ተባሂሉ

ዝተፈብረኸ ቅልውላው ምዃኑ እቶም ተንተንቲ የረድኡ። ብመሰረት’ቶም ተንተንቲ ፖለቲካ፡

መንግስቲ ርእሰ-ምምሕዳር ጀበልጣሪቕ ኣንጻር ረብሓታት ገፈፍቲ ዓሳ ስጳኛ ዝዓለመ ስጉምቲታት ክወስድ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ እቲ ወጥሪ ፈኸም እናበለ ተበጊሱ። ስጳኛዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ማያት ናይ’ታ ኣካል ግዝኣት ብሪጣንያ ዝኾነት ጀበልጣሪቕ ንዘመናት ዝኣክል’ዮም ብዘይ ቀይዲ ዓሳ ክገፉ ጸኒሖም። በዚ ከኣ ን25% ካብ ዘቤታዊ ጠለባት ዓሳ ክምልሱ ክኢሎም ጸኒሖም። እንተኾነ፡ እታ

ደሴት ካብ ዝሓለፈ ዓመት “ሕጂስ ደጊም ይኣኽለኩም” ክትብሎም ጀሚራ። መዕቆቢን መራብሒን ዓሳታታ ዝኾኑ ዕምባባ ባሕሪ (coral reefs) “ይዓንዉ ኣለዉ!” ብዝብል ምኽንያት ከኣ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ገማግም ባሕራ ከይቀርቡ ክትእግዶም ጀሚራ። ነዚ እገዳ’ዚ ብግብሪ ንምትግባር ነቲ ገማግም ባሕሪ ብ70 ናይ ‘ኮንኩሪት’ መናድቕ ክትሓጽሮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ወሲና። ብሰንኪ ብልሽዉና ኣብ ህዝቡ

ተኣማንነትን ተቐባልነትን ኣጥፊኡ ምህላዉ ዝንገረሉ መንግስቲ ስጳኛ ድማ፡ በቲ ዝተወስደ ሓድሽ ስጉምቲ ቁጠዐኡ ድሕሪ ምግላጽ ተመጣጣኒ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ወሲኑ። ነቲ ጀበልጣሪቕ ቀንዲ መናሃርያ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ትምባኾ ምዃና

ኣቐዲሙ ከስምዖ ዝጸንሐ ወቐሳታት ጉልባብ ገይሩ ከኣ ኣብቲ ስጳኛ ምስ ጀበልጣሪቕ እትራኸበሉ ዶብ ሓደስቲ ኬላታት ብምትካል ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብታ ግዝኣት ዝኣቱን ካብታ ግዝኣት ዝወጽእን ኩሉ ዓይነት ፍርያት ተሪር ቁጽጽር ክገብር ጀሚሩ። ካብዚ ሓሊፋ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቶም በቲ መስመር ዝንቀሳቐሱ ዜጋታት ጀበልጣሪቕን በጻሕቲን ጽኑዕ ናይ ፓስፖርት ቁጽጽር ኣተኣታትዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ እቶም ዜጋታት ካብን ናብን ንኽንቀሳቐሱ ኣብቲ ዶባ ምስ መካይኖም ክሳብ ሸውዓተ ሰዓታት

ተዓኒዶም ክጽበዩ ተገዲዶም። እዚ ከኣ ብኡ ንብኡ ኣብ ቁጠባ ጀበልጣሪቕ ርኡይ ጽልዋ ከኸትል ጀሚሩ። ነዚ ዝተዓዘበት ብሪጣንያ፡ እቲ ብስጳኛ ዝተወስደ ስጉምቲ ንኣህጉራዊ ሕጊ ኤውሮጳ ዝጥሕስ ምዃኑ ብትሪ ድሕሪ ምቅዋም፡ ነቲ ጉዳይ ብቕልጽማ ክትፈትሖ ከምእትኽእል ንምርኣይ ዓበይቲ ናይ ውግእ መራኽባ ናብቲ መጻብቦ ልኢኻ። ሓያለ ተንተንቲ ከኣ፡ “ኣብ ዝተኻዕወ ላምባ ክርቢት ምሽርጣጥ” ክብሉ ንሓደገኛነት’ቲ ስጉምቲ ገሊጾሞ።

ስጳኛ፡ ጉዳይ ጀበልጣሪቕ ብሕጋዊን ሰላማዊን መገዲ እንተዘይኮይኑ ብወታሃደራዊ ሓይሊ ፈጺሙ ክፍታሕ ከምዘይክእል’ያ ትገልጽ ዘላ። እዚ እናበለት ግን ካብ ተግባራታ ኣይተሓየበትን ዘላ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ኣብ ዶብ ኣታኣትያቶ ዘላ ሓድሽን ጽኑዕን ቀይዲታት ዝያዳ ከተኽርሮ ምዃና’ያ ተጠንቅቕ ዘላ። እታ ሃገር፡ ድሕሪ ምልኣኽ መራኽብ ውግእ ብሪጣንያ ናብታ ግዝኣት ብመገዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣቢላ ኣብ ዘውጻኣቶ መግለጺ፡ ንዝኾነ ካብ ጀበልጣሪቕ ዝወጽእን ናብ ጀበልጣሪቕ ዝኣቱን ዜጋ ኣብ ዶብ ዓጊታ 50 ኤውሮ ከተኽፍሎ መዲባ ምህላዋ ኣጠንቂቓ። እታ ሃገር ወሲኻ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ’ውን ንኽሊ-ኣየር’ታ ግዝኣት ክትዓጽዎ (ናይ ዝኾነት ሃገር ነፈርቲ ናብ ክሊ-ኣየር’ታ ግዝኣት ከይበራ ክትእግደን) ምዃና፡ ምስታ ብዋንነት ደሴታት ፎክላንድስ ምስ ብሪጣንያ ኣብ ሓያል ምትፍናን ተጸሚዳ ዘላ ኣርጀንቲና ብሓደ ሰሚራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ እጀታይ ሕቶ ከተልዕል ከምእትኽእል

ኣተሓሳሲባ ኣላ። እታ ሃገር፡ ግዝኣት ጀበልጣሪቕ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ኣርጀንቲና ሰሚራ ኣንጻር ብሪጣንያ ክትቃለስ ምዃና ኣብ እተጠንቅቐሉ ዘላ እዋን፡ ነታ ሃገር 20 ‘ሚራጅ’ ዝዓይነተን ዘመናዉያን ነፈርቲ ውግእ ክትህባ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሰበ-ስልጣን ቦይነስኣይረስ ከቲማ ኣላ። ብሪጣንያ ብወገና፡ እቲ ብስጳኛ ዝውሰድ ዘሎ ተወሳኺ ስጉምቲታት ንኽልቲአን ሃገራት ናብ ዘይተደልየ ወታሃደራዊ ረጽሚ ከምርሐን ዝኽእል ሓያል ግብረ-መልሲ ከኸትል ምዃኑ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሰነዳት ታሪኽ ከምዘመልክትዎ፡

ብጠቕላላ 6.8 ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ስፍሓት እትውንን ጀበልጣሪቕ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት እስጳኛ’ያ ነይራ። እንተኾነ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1704 ካብታ ሃገር ብሓይሊ መንዚዓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእትያታ። ኣብ 1713 ድማ ምስታ ኣብቲ ውግእ ዝተሳዕረት ሃገር ብ‘ስምምዕ ኡትረክት’ ዝፍለጥ ውዕል ከቲማ ንጀበልጣሪቕ ብወግዒ ግዝኣታ ገበረታ። ብድሕሪ’ዚ እታ ክሳብ 400 ሜትሮ ቁመት ብዘለዎም በረኽቲ ኣኻዉሕ ዝቖመት ግዝኣት፡ ብሪጣንያ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተዓዊታ ንኽትወጽእ ልዑል ስትራተጂያዊ ተራ ተጻዊታ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ግን፡ እቲ ኣብ ስጳኛ በትረ-ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ንጀበልጣሪቕ ዳግማይ ከማልስ ወሲኑ። በዚ ከኣ ምስ ብሪጣንያ ናብ ሓያል ፖለቲካዊ ረጽሚ ኣምሪሑ። እቲ ወጥሪ እናኸረረ ኣብ

ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ 1969 ንዶብ ሃገሩን እታ ግዝኣትን ምሉእ ብምሉእ ዓጽዩዎ። እንተኾነ፡ ስጳኛ ብሓድሽ መሪሕነት ተሓጊዛ ኣብ 1980 ስምምዕ ሊዝበን ድሕሪ ምኽታማን ናብ ሕቑፊ ሕብረት ኤውሮጳን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ድሕሪ ምጽንባራን እቲ ዓመታት ዘቑጸረ ወጥሪ ክሃድእ ጀሚሩ።ጀበልጣሪቕ ብጠቕላላ ኣስታት

30 ሽሕ ነበርቲ ክህልዉዋ እንከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 27% ናይ ብሪጣንያ መበቆል ዘለዎም፡ እቶም 24% መበቆል ስጳኛ፡ እቶም 20% መበቆል ፖርቱጋል፡ እቶም ዝተረፉ ድማ መበቆል ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዎም እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ስጳኛዉያን መዓልታዊ እናተመላለሱ ኣብታ ግዝኣት ይሰርሑ። ነበርቲ ጀበልጣሪቕ መጻኢ ዕድሎም ንምውሳን ማለት፡ ኣካል ብሪጣንያ ወይ’ውን ኣካል ስጳኛ ንምዃን ክልተ ግዜ ረፈረንደም ኣካዪዶም ነይሮም። ኣብ ክልቲኡ ረፈረንደማት ከኣ “ምስ ብሪጣንያ ይሕሸና” ኢሎም ኣድሚጾም። ሎሚ ጀበልጣሪቕ ደርማስ ወታሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ’ዩ ተደኲንዋ ዘሎ። ዝዓበየ ክፋላ ብመዓስከር ሓይሊ-ኣየርን ሓይሊ-ባሕሪን ብሪጣንያ’ዩ ተባሒቱ ዘሎ። ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክስከማ ዝኽእላ ስትራተጂያዉያን መራኽብ ትሕተ-ባሕሪ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዘዕርፋሉን ዝጽገናሉን ቀንዲ መዓስከር ኣብዚ ግዝኣት’ዩ ዝርከብ። እዚ ኣብዛ ብርእሰ-ምምሕዳራዊ መንግስቲ እትምራሕ ግዝኣት ተደኲኑ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከራት፡ ብሪጣንያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ንዝካየድ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብደቂቕ ክትቆጻጸሮ ከምዘኽእላ ድማ ክኢላታት ስነ-ውትህድርና’ቲ ከባቢ የረድኡ። ብዘይካ’ዚ፡ ጸጥታዊ ውሕስነት ናይተን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብሚልዮናት በራሚል ዝቑጸር ነዳዲ ዘይቲን ጋዝን ጽዒነን መዓልታዊ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢለን ናብ ኤውሮጳ ዘምርሓ ዓበይቲ መራኽብ’ውን ኣብዚ ኣብ ጀበልጣሪቕ ተደኲኑ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር’ዩ ዝምርኮስ። British warships enter Gibraltar

Page 4: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 4

ሃገራዊ ፈስቲቫል ኣብ ሓድሽ ቦታ ኣሰር ኣንቢሩ ተዛዚሙደሃይ

ፈስቲቫል ደሃይ ፈስቲቫል

ጥዑምዝጊ ተስፋይፍሱህ ቅንያት ፈስቲቫልን ክራማትን

ዘይርሳዕ ኣሰር ገዲፉ ተዛዚሙ። እዚ

“ያታዊ ባህልና ማእከል ቱሪዝማዊ ስሕበት” ዝሕላገቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ካብ 17 ክሳብ 25 ነሓሰ ድሙቕ ሓጎስን ሓበንን ፈጢሩ፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርን ካብ ደገን ንዝወሓዙ ነጋድያን ኣአንጊዱን ኣፋንዩን። ኣብ መፈጸምታኡ 25 ነሓሰ ኣጋ ምሸት እምበኣር፡ ሲቲ ፓርክ ደቀምሓረ ከምቲ ኣብ መኽፈቲ ብሕብርታት ጽባቕ ተቐቢኣ፡ ቅናት ኣደይ ማርያም ክትመስል ንፍጻመ ናይ’ቲ ውቁብ ቅነ ኣአንጊዳ። ነብሲ ወከፍ ዞባን ንኡስ ዞባን፡ ብዝተፈላለየ ቅድን ሕብርን ኣልባሳት ኣብረቕሪቖም፡ ብኸበሮ፡ ትልሂት፡ ጣቕዒትን፡ ደርፍታትን ተሰንዮም፡ ንጽል ዜማን ህርመትን ንኸተለሊ ዘሸግር ሕውስውስ ዝበለ፡ ግና ከኣ ምስ’ቲ ዝዓሰለ ናይ ባህታ መንፈስ ዘይጽላእ ዋዕዋዕታ ዓሲሉ’ዩ ኣምስዩ። ብርሻናትን መረባዓትን ዝተኸበበት፡ ዓበይቲ ጎደናታት ዝጨናፍራ፡ ለምለም መዘናግዒ

ክለባ ሲቲ ፓርክ፡ በበይኑ ዝቕርጾም መብራህትታት፡ ባንዴራታት፡ ኣብ

ሰፊሕ ዝርገሐ ዝረአ ቅብኣ ሃዳሙን ቅርጺ መሬትን፡ ምስ ፍሉይነት ሕብረ ብሄራት ግሩም ውቃበ ግሩም ምሸት። ስለ ዝዀነ እዩ ድማ ብስም ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ኣቶ ኣብርሃም የውሃንስ (እብር) ድሕሪ ዝኽረ ሰማእታትን ንመኽፈቲ ዝተዘየመት ደርፊ ትግርኛን፡ ቃል እንከስምዕ ከም’ዚ ዝበለ “ብመጀመርታ ከም’ቲ ነዚ ክቡር በዓል’ዚ ክንከፍቶ ከሎና እንቋዕ ከፈትናዮ ዝበልና፡ ሎሚ እተን ነዚ በዓል’ዚ ዝተመደባ ዕለታት ክውዳኣ ከለዋ ድማ፡ ፈስቲቫልና ምስ መቐረቱ ከሎ ንዛዝሞ ብምህላውና፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ሓበንን ክብርን ከም ዝስመዖ ክገልጸልኩም እፈቱ።”ኣብ’ዚ ሚኒስተራት፡ ሓለፍቲ

ግንባር፡ ኣመሓደርቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ዕዱማትን ኣባላት ስድራ ቤት ስነ ጥበብን ዝተረኽቡሉ ናይ መዕጸዊ መደብ፡ ኣቶ ኣብርሃም የውሃንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ሌጣ ጎልጎል ዝነበረ ብናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣድካሚ ስራሕ

ናብ ቁሸት ፈስቲቫል ከም ዝተቐየረ፡ ጸገም መኻይድቲ ደቂ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ቁሸት ፈስቲቫል ምስ ተደኰነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ቅነ ዘጋጠመ ሓያል ህቦብላን ዝናብን ነቲ ሓድሽ ቁሸት ከም ዘይነበረ ገይሩዎ ምንባሩን፡ ብሳላ ምትሕብባር ክኢላታት ስርሓት ሓጺን ከተማ ደቀምሓረን ማእከል ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክን ከም ብሓድሽ ተሰሪሑ እቲ ጸገም ከም ዝተሰግረ ገሊጹ።ንኡሳን ዞባታት ካብ ጥሪ 2013

ጀሚረን ብያታዊ ትልሂት፡ ያታዊ መነባብሮ፡ ኤግዚቢሽን፡ ያታዊ ስፖርትን፡ ብሉጽ ምርኢት ከም ዘርኣያን ንነበርተን

ብምውዳብ ንቐጽሪ ፈስቲቫል ከም ዘድመቓኦን ዘማመቖኦን መስኪሩ። ዞባታት ብግደአን ኣብ ንጥፈታት ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን፡ ኣብ ሓድሽ ግን ከኣ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ዘሎ መደብ “ሸነን ያታና”፡ ኤግዚቢሽን፡ ያታዊ ስፖርትን፡ ኣፋዊ ያታታትን ክሳተፋ ከለዋ፡ ናብ ድፋዓት ደቀምሓረ ብምብጻሕ ሕሉፍ

ታሪኽ ዳግም ዝዝንተወሉ ኣጋጣሚ ድማ ብማሕበራት ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ክቐርብ ከም ዝቐነየን ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ብምግላጽ “ፈስቲቫል ኣብ ዝዀነ ቦታ ይገበር ሃገራዊ ንግደቱ ምዃኑ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ ኰይኑ’ዩ። ብሳላ’ዚ ከኣ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2013 ከም ዝሓለፈ ፈስቲቫላትና ኣስታት 800 ሽሕ (ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ) ነጋድያን ክቕበል በቒዑ’ዩ ክብል” ንህዝቢ ኣድኒቑ። ዞባታት ፈስቲቫል ብድምቀት ንኽዛዘም ብዘርኣያኦ ትዕግስትን ትጉህ ተሳታፍነትን ከምኡ’ውን ነቶም ቁሸት ፈስቲቫል ኣብ ደቀምሓረ

ንኽፍጠር ብዕቱብ ዝሰርሑ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ብስም ሽማግለ በዓላት ከኣ ኣመስጊኑ። ብድሕሪ’ዚ ሓጺር ገምጋም

ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ሃገራዊ ፈስቲቫል 2013 ብወ/ሮ ሓሊማ ቀሪቡ። ፈስቲቫል ምሉእ ንክኸውን ኣብ’ቲ ትንፋስ ዘይህብ

ዕማም ዝነኣድ ኣበርክቶ ዝገበሩ መንግስታውን ህዝባውን ትካላት፡ ውልቀ ሰባት ከምኡ’ውን ንኡሳን ዞባታት ወረቐት ምስክር ተሳታፍነት ተዓዲሉ። እተን ኣብ ሽዱሽተ ዓይነት ውድድራት ዝተወዳደራ ንኡሳን ዞባታት፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዝወጹ ውልቀ ሰባት፡ ናይ ገንዘብ ሽልማት ተዋሂቦም። ጎብለል ያታዊ ስፖርት ንኡሳን ዞባታት - ን/ዞባ ዓረዛ፡ ጎብለል ድኮና ኣባይትን መነባብሮን - ንኡስ ዞባ ማይ ምነ፡ ጎብለል ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን - ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብጠቕላላ ነጥቢ ጎብለል ንኡሳን ዞባታት ዝዀነት ድማ ንኡስ ዞባ ማይምነ ብምዃን ተሸሊመን። ብውድድራውን ውርሻውን ኣገባባት ዝተኻየደ ኣፋዊ ያታ፡ ኣብ ውርሻዊ ኣፋዊ ያታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተሳተፉ 4 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 38 ዓበይቲ፡ ንመተባብዒ ናይ ገንዘብ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ድሕሪ ምውሃቡ፡ ኣብ መንጎ ወረስቲ መንእሰያት’ውን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣፋዊ ያታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጹ፡ ናይ ገንዘብ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ። ብደረጃ ዞባ ብውህሉል ነጥቢ ዞባ

ጋሽ ባርካ ቀዳመይቲ ኰይና ክትሽለም ከላ፡ ዞባ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ድማ ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ሽልማተን ተቐቢለን። ኣብ መንጎ ዞባታት ሸሞንተ ዓይነት ያታዊ ስፖርት ማለት ገበጣ ስሉስ፡ ገበጣ ርቡዕ፡ ኣስቲ፡ ሕንቆ፡ ቅልስ፡ ተወሰጥ፡ ራዳይታን ቢብን ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፡ ነቶም ኣብ ናይ ውልቂ ውድድር ብውልቂ ዝተዓወቱ በብውልቂ፡ እቶም ብጉጅለ ዝተዓወቱ ድማ ብጉጅለ ተሸሊሞም። ኣብ ውድድር ያታዊ ስፖርት ብድምር ነጥቢ ጎብለል ያታዊ ስፖርት - ዞባታት ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ጎብለል ውድድር ሸነን ያታና - ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ካልኣይቲ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሳልሰይቲ ዞባ ማእከል፡ ጎብለል ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን - ዞባ ዓንሰባ፡ ካልኣይቲ ዞባ ማእከል፡ ሳልሰይቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን - ቀዳመይቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ብማዕረ ነጥቢ ካልኣይቲ ዝወጻ ዞባ ማእከልን ደቡብን፡ ሳልሰይቲ ዝወጸት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኰይነን፡ ናይ ገንዘብን ኣርማን ሽልማተን ካብ ሚኒስተራትን ኣምባሰደርን ተዓዲለን። እዚ ኣብ ሰፊሕን ሓድሽን ቀጽሪ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ብኸቢድ ጻዕሪ ኣዳለውትን ብዉዕዉዕ መንፈስ ተሳተፍትን ደሚቑ ከይተመነወ ኣብ ናይ መወዳእታ ዕለት በጺሑ። ኣብ መንጎ ዞባታትን ውልቀ ሰባትን ቅዱስ ቅንእን ውድድርን ዝተራእየሉ ግሩም ፈስቲቫል!!

Page 5: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 5

ኣብርሃም ዮውሃንስ (እብር)

ውዕሎ ጀጋኑ

4ይ ክፋል

ኣማረ ወልደኣብ

ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል፡ መሬት ክትጽልምት ከላ ሰራዊት ጸላኢ ከምዝተጸግዖም፤ ሽዑ፡ ተጋዳላይ፡ ነቲ ኹሉ ገልጠምጠም ዕርዱ ሒዙ ይጽበዮ ከምዝነበረ፤ ደሓር ግን ወዮ ኲናት ከምዝተወልዐ፤ እንተኾነ ኣብ ሓደ ተገቲርካ ክትከላኸሎ ትኽእል ሓይሊ ስለዘይነበረ ንጸላኢ ንምድኻም ንእሽቶ ናይ ምንስሓብ ስልቲ ከምዝተጠቕሙ ነቢብና።ቀጺልና፡ ሓደ ወተሃደር ጸላኢ ንሓንቲ ጥይታ ዝወድአት ተጋዳሊት ብኢዳ ክሕዛ ከምዝተጓየየ፤ ድሕሪ ምጥምጣሞም ግን መላጉም’ታ ዝወጠጣ ቃምሻኣ ጠረግረግ ከምዝበለን ነታ ዕድል ተጠቒማ ከምዘምለጠትን፤ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ጸላኢ ንድፋዓት ተጋዳላይ ከምዘፍረሶ፤ ኣብቲ ውግእ ብዙሓት ተጋደልቲ ከምዝተሰውኡ፤ ሽዑ፡ በቲ ኩነታት ዝነደሩ ሰለስተ መድፍዓጂታት ኣብቲ ናይ ተሓዋወስ ውግእ ካላሽን ስዉኣቶም ኣልዒሎም ክረጋረጉ ከምዝጀመሩ ተኸታቲልና ኔርና። ንሎሚ ድማ እዚ ዝስዕብ እነሆ፡

በዓል ባህታ መንግስቱ፡ ገብረ ኣብርሃን ሽሻይ መዓሾን ኣብ ውሽጢ’ቲ ግብ ዝበለ ጸላም ኮይኖም ገለ ነገር ክበላሓቱ ወሰኑ። ጸላኢ ጽዑቕ ቦምባታት ኢድ’ዩ ዝድርብየሎም ነይሩ። ንሳቶም ግን ዝነበራኦም ቦምባታት ነጊፎምወን እዮም። እቲ ብልሓት ከኣ ንጸላኢ ቦምባታቱ ከምዝምለሶ ንምግባር ዝዓለመ ኮነ። ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ጸላኢ ዘዝደርበየሎም ቦምባታት ኢድ እናኣልዓሉ ናብ ነብሱ

ክመልሱሉ ጀመሩ። ጸላኢ ይድርቢ፡ ንሳቶም ድማ ነታ ዝደርበየሎም ቦምባ ናይ ምንታጕ ግዜኣ ቅድሚ ምእካሉ ተቐላጢፎም ብምልዓል ናብ ዕርዱ ይውርውሩዋ።ንጸላኢኻ ቦምባኡ ክትመልሰሉ ምኽኣል ኣዝዩ ድፍረት ዝሓትት ስራሕ’ዩ። ንቕልጣፈኻን ናይ ምግማት ዓቕምኻን ዝፍትን’ውን እዩ። ኣብ ግምትካ ጌጋ እንተድኣ ተፈጢሩ እታ ክተልዕላ ዝፈተንካ ቦምባ ለካሚትካ ክትከውን ዝሰፍሐ ተኽእሎ ኣሎዋ። ኣብ መንጎ’ቲ ናይ ጭርጭር ዓበደ ኲናት፡ ወዲ መዓሾ ካብኣቶም ተፈንቲቱ ኣፍራዛ ኣልዒሉ ኳሕ ኳሕ ከብል ተዓዘቡዎ። ፈለማ’ኳ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ስለዘይተረድኦም ተገሪሞም’ዮም ዝጥምቱዎ ነይሮም። ደሓር ግን ተወከሱዎ።“ስቕ ጥራሕ በሉ፡ በዚ ጌረ ክምልዕሰንየ!’’ መለሰሎም።“ሕደግ ኣንታ ወዲ። ከምኡ እንተድኣ ጌርካ ተተኰስቲ ምውዳእና ክፈልጣና’የን’’ ብምባል ከኣ ተቓውሞኦም ኣስምዑ። ወዲ ማዓሾ ግና ካብ ዝሓሰቦ ክተርፍ ኣይደለየን። ኣፍራዛኡ ዓትዒቱ ናብ ጸላኢ ገጹ ተበገሰ። ዳሓርሲ ንሳቶም’ውን ግዲ ንሓሳባቱ ርዒሞሞ ተቓውሞኦም ኣዝሊቖም ምሉእ ኣድህቦኦም ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ብምግባር ነንዝመጸቶም ቦምባ ናብ ጸላኢ ገጾም ምምላስ ቀጸሉ።ወዲ መዓሾ፡ ሓሳቡ ሰሚሩሉ’ዩ። ኣብ’ቲ ጸላም ናብ ወተሃደራት ጸላኢ ተጸንቢሩ ነቶም ወተሃደራት ብኣፍራዛ ገይሩ

ተሳሃሎም። እንተኾነ ግን ብዙሕሲ ኣይደንጐየን፡ ዝገበረ ገይሩ ተቐላጢፉ ናብ በዓል ባህታ ደኣ ተመልሰ። ባህታን ገብረን’ውን ዝሓሰቡዎ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓሉን። እቲ ነንዝደርበዮ ቦምባ ዝመልሱሉ ዝነበሩ ሰራዊት ጸላኢ፡ ወዲ ማዓሾ ብኣፍራዛ ክጨራደድ ምስ ረኣዮ “ለካ እዚኣቶምሲ ቦምባኦም ወዲኦም’ዮም’’ ብምባል፡ ንወዮ ቦምባታቱ ኣስጊዱ ክድርብየሎም ጀመረ። ኣስጊድካ ምድርባይ እቲ ቦምባ ናይ ምብራዕ ግዜኡ ኣብ ሰማይ ወዲኡ ናብ ባይታ ክዓልብን

ከምዝትኰስን ሓደ ንምግባሩ’ዩ ዝሕግዝ። ከምኡ ድማ ገበረ።ኣብ መንጎ’ዚ፡ እቶም ጸላኢ ከምዝጐርሓሎም ዘይፈለጡ በዓል ባህታ ንወያ ዝመጻቶም ቦምባ ናብ ጸላኢ ክመልሱዋ’ኳ እንተሓሰቡ፡ ቋዕ ዝብል ቀዳማይ ናይ መጠንቀቕታ ድምጻ ድሕሪ ምስምዖም ናብኦም ንምብጻሕ ስለዝደንጐየት ክልቲኦም ኣብ ባይታ ተላሒጎም ለጥ በሉ። ኣብቲ ደንደስ ናይ’ታ ዝነበሩዋ ጉድጓድ ወዲቓ ድማ ነተጐት።ድሕሪ’ቲ ሂምታ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። እንተኾነ ግን ሓደ’ኳ ዝተሃርመ ኣይነበሮምን። ጸኒሓ ካልኣይቲ ቦምባ ብውሕልነት ተላእከቶም። ንሳ’ውን ካብኣቶም ሕልፍ ኢላ ሂምታኣ ኣስመዐት።ብድሕር’ዚ “ክላ’ታ፡ ኣብ’ዚ ተኾርሚና ዲና ክንመውት ደሊኹምና?’’ ብምባል ካብ’ታ ዝነበሩዋ ጉድጓድ ክወጹ ወሰኑ። እንተኾነ ግን ሳልሰይቲ ቦምባ ሰዓበት። ኣቐዲማ’ያ ቃዕ ዝብል ድምጺ ሂባቶም። ናይ ምንታጓ ግዜ ከምዝተቓረበ ድማ ፈለጡ።“እዚኣስ ናባና’ያ’’ በሉ ብስሙር ድምጺ። ኮረር ኢላ ድማ ኣብ ማእከሎም ዓለበት። ሽዑ፡ ገብረ ተቐላጢፉ ከልዕላ ወስ በለ። ግን ከኣ ዕድል ኣይሃበቶን። ከልዕላን ከም በርቂ መስ ክትብልን ሓደ ኮነ። ብድሕርዚ ሂምታኣ ሰዓበ። ንሓንጎል ዘደንቁር ሂምታ’ዩ። ብድሕሪ’ቲ ሂምታ ድማ ሰለስቲኦም ተደራሪቦም ወደቑ። ገብረ ኣብርሃ፡ ጸሊም፡ ቆማትን

ወናን ድልዱል ኣካላትን’ዩ። ከም ባህሪ፡ ሕዉስን ግርህ ኢሉ ዝዛረብን ሰብ’ዩ። ኣብ ምንቅስቓሱ ዋዒ ኣለዎ። ጻዕራምን ሓያል ተዋጋኣይን ምዃኑ ኩላቶም ደቂ’ቲ ኣሃዱ ዝኣምኑሉ ሓቂ’ዩ። ጢው-ጢው እትብል ጸባብ ቁምጣ ለቢሱ ብጥራሕ ዝባኑ ምንቅስቓስ ሓደ ካብ’ቲ ዝፍተዎ’ዩ። ኣብ’ታ ዝተወቕዓላ ደቒቕ ግና ካብ ጸላኢ ዝመንጠላ ወተሃደራዊት ጃኬት ወድዩ ነበረ። እታ ከልዕላ ዝፈተነ ቦምባ ኢድ ግዜኣ ከምዝወድአት ፈሊጡ’ዩ። እንተኾነ፡ ካብ ንሰለስቲኦም ትሃርሞም በጃ ብጾቱ ንምሕላፍ ንበይኑ ክውፈ’ዩ ወሲኑ። ከምኡ ድማ ገበረ። እታ ሰራም ቦምባ ከልዕላን ክትፍጀርን ሓደ ኮይና። ሽዑ፡ ንሱን ብጾቱን ናብቲ ኣብ ትሕቲኦም ዝነበረ ዓሚቝ ቦታ ሃነው ኢሎም ጸደፉ። ድሒሩ ዝሰዓበ ዳርባታት ከቢድ ብረት ጸላኢ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ኣእማን እናኣንከራረወ ናብ’ቲ ዝወደቑሉ ዓሚቝ ቦታ ኣከቦ። ነፍሲ-ወከፍ ዘንከራረወት ደንጐላ ድማ ናብ ነፍሶም እናዓለበት ትጸቕጦም ነበረት። ገለ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝሞቱ ወተሃደራት እውን ናብ ልዕሊኦም ተደረቡ። ኩሉ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ገፈጥ-መፈጥ ብሃፈጽታ ናይ’ቲ ዝዘንብ ዝነበረ ቦምባታት እናተሓገዘ ናብ’ቲ ዝነበሩዎ ቦታ ይእከብ ነይሩ። ድሕሪ ጻዕቂ ደብዳብ ኩሉ’ቲ ከይፈረሰ ዝጸንሐ ድፋዓት’ውን ዓነውነው በለ። ብድሕሪ’ዚ፡ ብየማነ ጸጋም ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንተዘይኮይኑ ኣብታ ቦታስ

ንጸላኢ ግብረ መልሲ ዝህብ ሰብ ኣይነበረን። ሽዑ፡ ሰራዊት ጸላኢ ናብታ ዝተረኽበት ንእሽቶ መስሎዂት ገጹ ክግስግስ ጀመረ። “ሁሉም ሞተዋል። የቀረ የለም። በያለንበት ወደፊት እንግባ! ቁርሳችን ምጽዋ ላይ ነው’’ እናተበሃሃሉ ኸኣ ግስጋሰኦም

ቀጸሉ። ናብ ትግርኛ ክትርጐም እንከሎ ኩላቶም ሞይቶም እዮም። ዝተረፈ ሰብ የብሎምን። በብዘለናዮ ንእቶ። ቁርስና ኣብ ባጽዕ’ዩ ተባሂሉ ክንበብ ይከኣል’ዩ።ንዕርዲ ተጋዳላይ ጥሒስካ፡ ደንጎሎ፡ ጋሕቴላይ፡ ድግድግታ ጌርካ ናብ ባጽዕ ምእታው እቲ ሃረር ዝበሉዎ ምርጫ’ዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምትግባር ድማ እታ ዝተረኽበት መስለዂት ኣዝያ ኣገዳሲት ዕድል ኮይና ተራእየቶም። ከም መግለጺ ሓጐሶም ከኣ ሓያሎ ሓበርቲ ጠያይት ናብ ሰማይ ገጾም ፈለል-ፈለል ኣበሉ። እልልታ ሓዊሶም ንቕድሚት ገጾም ንምቕጻል ዳግም ፍሕትሕት ክብሉ ጀመሩ። ነቲ ዓመት ምሉእ መልኣከ ሞት ኮይኑዎም ዝነበረ መዛግብ ተጋዳላይ ዘዘሊሎም ክኣትዉዎ ድማ ፈተኑ።ተጋዳላይ፡ ንእንተታት ዝኸውን ርሒብ መገላበጢ ኣለዎ። ሳላ’ዚ ድማ’ዩ ንኹነታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክለዋውጦ ዕድል ዝረክብ ዝነበረ። ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ከም ተጠባባቒት ተታሒዛ ዝጸንሐት ካልኣይቲ ሓይሊ፡ ንገስጋስ ጸላኢ ንኽተዐግስ ተዳልያ ትእዛዝ ሓለፍታ ትጽበ ነበረት። ውግእ’ውን ከም ካልኦት ስነ-ፍልጠታዊ ዓውድታት ናይ ባዕሉ ስነ-ፍልጠታዊ ኣምራት ኣለዎ። ብበሊሕ ኣእምሮ ዘይምራሕ ውግእ ዕዉት ክኸውን ዝሕሰብ ኣይኮነን። ትርፉ ሰራዊትካ ምጥፋእን ኣጽዋርካ ምብኻንን ጥራሕ’ዩ ዝኸውን። እዚ ኸኣ እንትርፎ ክሳራ ካልእ ፋይዳ ዝህብ ኣይኮነን።ኣባላት’ታ ናይ ጀምር ትእዛዝ ዝተቐበለት ተደራቢት ሓይሊ ድሮ ንጸላኢ ብዂሊቱ ተዓጺፎምዎ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ኣብቲ

ደጕላጻት ኣእማንን ካልኣይ መከላኸሊ መስመርን ተላሒጎም ብምጽናሕ ተቐበሉዎ። እዚ ክልተ ጥበባት’ዚ ዝተመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ካናለ ጥውይዋይን ቀላጥ ቦታን ስለዝነበሮ’ዩ። ናይ ኩሊትን ፊተፊትን ጸረ መጥቃዕቲ ብዝግባእ ተወሃሂዱ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ

ተኣምር ሰርሐ።እቲ ንዕርዲ ተጋዳላይ ብምስባሩ ሞራል ዝገበረ ሰራዊት ጸላኢ ኣትሪሩ ክዋጋእ ተራእየ። “ኣይዞ’ቹ፡ ግድ የለም’’ ዝብል ናይ ኣጆና ሞራል ካብ ምስማዕ ዓዲ ኣይወዓለን። ዓቕሙ ኣኻኺቡ በታ ጸባብ ቦታ ክጥሕስ’ዩ ፈቲኑ። ሓገዝ ዝህቡ ከበድትን ፈኰስትን ኣጽዋሩ’ውን ናብ ሓደ ኣንፈት’ዩ ኣቕኒዑዎም። ኣብቲ መጀመርታ’ኳ ስሑው ናይ ተዅሲ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ ብቐሊሉ ዝገላገል’ዩ መሲሉዎ ዝነበረ። ዳሕራይ ግና ኣይንርኣዮ ኮኖ።ተጋደልቲ፡ ኣቐዲሞም ንዓቕምን ዝርጋሐን ጸላኢ ብዝግባእ መዚኖምዎ’ዮም። ብድሕር’ዚ፡ ምስ’ቶም ኣብቲ ዝፈረሰ ድፋዕን ካብቲ ዝፈረሰ ዕርዲ ንየማነ ጸጋም ዝነበሩን ብጾቶም ተወሃሃዱ። እቶም ካብ’ቲ ዝፈረሰ ድፋዕ ንየማነ ጸጋም ዝነበሩ፡ ዕርዶም ገጥ ኣቢሎም ንዝመጾም ጸላኢ ይጭፍልቑ ነይሮም። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን። ጸላኢ ናብ የማነ ጸጋም ኣግፊሑ ትንፋስ ንኸይመልስ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ እቲ ዝሓለፈ ንድሕሪት ተመሊሱ ህይወቱ ከየድሕንን ኣብ ዘለዎ ከም ጨው ክሓቅቕን ምእንቲ ንሓድሕዶም ተረዳድኡ። እዚኣቶም ተረፍ-መረፍ ናይታ ብጸላኢ ዝተጐብጠት ሳልሳይ ሓይልን ካብ የማን ዝተደረበቶም ናይ ቀዳመይቲ ሓይሊ ኣባላትን ጥራሕ’ዮም።እቶም ንሓድሕዶም ናይ ውህደት ሰንሰለት ዝፈጠሩ ተጋደልቲ ነቲ ኣብ ኣተሓሕዛኦም ዝነበረ ጋግ እናጽበቡ፡ ነቲ

ዝፈረሰ ድፋዕ ዓጸዉዎ። ብድሕር’ዚ፡ ካልኣይቲ ሓይሊ ንጸላኢ ብዘስካሕክሕ መግረፍቲ ተሳህለቶ። ሽዑ፡ እቲ ሞራል ገይሩ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ኣውያትን ዋጭዋጭታን ከቃልሕ ተሰምዐ።

ይቕጽል

Page 6: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ብስራት ንኹሉኹም ዓማዊል ዶልቸ ቪታ ኣብ ዝተፈላለየ ጻዕዳ ዝሕብሩ ፍርያትና “ጻዕዳ ወርሒ”

ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 30 ነሓሰ 2013 20% ምጉዳል ዋጋ ትሕዝቶ ፍርያትና፦ ጋውን ንእሽቶይ ሽጎማኖ ማእከላይ ሽጎማኖ ዓቢ ሽጎማኖ ናይ ጣውላ ጨርቂ፦ (ዓቐን) 1ይ ዓይነት 2ይ ዓይነት

150ሰ.ሜ. x 150ሰ.ሜ. 120ሰ.ሜ. x 120ሰ.ሜ.150ሰ.ሜ. x 180ሰ.ሜ. 120ሰ.ሜ. x 160ሰ.ሜ.150ሰ.ሜ. x 210ሰ.ሜ. ከቢብ ናይ 120ሰ.ሜ.150ሰ.ሜ. x 270ሰ.ሜ. መጋረጃ 120ሰ.ሜ.x270ሰ.ሜ. 6 ቶቫሊዮሊ 40ሰ.ሜ. x 40ሰ.ሜ.

ካብ ሓደ ዓይነት ፍርያት ልዕሊ 10 ሓባ ንዝገዝእ ዓሚል ኣብቲ ልዕሊ 20% ምጉዳል ዋጋ 10% ተወሳኺ ምጉዳል ዋጋ ይግበረሉ። ኣስተውዕሉ፦ ንከም በዓል ዓበይቲ ቤት መግቢ፤ ቤት መስተ፤ ሆቴላት ዝኣመሰሉ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዓቐን ወጻኢ ምስ ዝደልዩ ካብ 30 ሓባ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ።

ኣድራሻና፦ ኣዝማራ ፓላስ፤ ጎደና ሓርነት ፊት ካቴድራል፤ ጎደና ተጋደልቲ (ባራቶሎ ነበር)፤ ከረን፤ መንደፈራ፤ ደቀምሓረ።

ሓበሬታቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ (2006 ዓ.ም.ግ) በዓል ፋሲካ ናብ ኢየሩሳሌም ክትነግዱ እትደልዩ ምእመናን ካብ 26 ነሓሰ 2013 ዓ.ም.ፈ (20 ነሓሰ 2005 ዓ.ም.ግ) ጀሚሩ፡ ምዝገባ ከካይድ ስለዝኾነ፡ ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈትና ቀሪብኩም ክትምዝገቡን ዘድሊ ገንዘብ ክትከፍሉን ከምእትኽእሉ ንሕብር።

ቦታ ምዝገባ ፥- ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም

ኣስመራ

NoticeNotice is hereby given to the public that DAR ELWA PRIVATE LIMITED COMPANY is formed among the following members:

A. Name Nationality Address Shares1. Daniel Mengsteab Gebreslasie Eritrean Juba (South Sudan) 752. Atoberhan Mengsteab Gebreslasie Eritrean Tessene 25 100B. Head office of the company will be in Tesseney, Zoba Gash Barka, Eritrea and branch offices may be opened within the country.C. The company has a share capital of 1,000,000.00 (One million Nakfa) divided into 100

(One hundred) registered shares of par value of 10,000.00 (Ten thousand Nakfa) each all subscribed and fully paid up by the member’s in cash.

D. The company shall engage in: 1. Cosmetic manufacturing, 2. Potable water production,3. Detergent products manufacturing, 4. Production of packed juice, 5. Import and Export, 6. Commission Agent, 7. Manufacturing different materials.

E. Mr. Daniel Mengsteab Gebreslasie is appointed as a manager for unlimited period.F. The company is established for unlimited period of time.

DAR ELWA PRIVATE LIMITED COMPANY

ም ል ክ ታ

ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት-ካፈታት ንሰዓት ናቕፋ 10.00 (ዓሰርተ ናቕፋ) ከክፍላ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። እዚ ምልክታ ኣብ ጋዜጣታት ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ግን ናቕፋ 20.00 (ዕስራ ናቕፋ) ከክፍላ ተፈቒዱለን ምህላዉ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን የፍልጥ።

ብተወሳኺ፡ ሆቴላት ኣሰመራ ፓላስን ከረን ሆቴልን ንሰዓት ናቕፋ 80.00 (ሰማኒያ ናቕፋ) ሆቴላት እምባሶይራ፡ ንያላ ፡ሜድያን፡ ክሪስታል፡ ሳቫና፡ኤክስፖ፡ ቦለኛ ዝኣምሰላ ንሰዓት ናቕፋ 45.00 (ኣርብዓን ሓሙሽተን ናቕፋ) ከኽፍላ ተወሲኑ ምህላዉ የፍልጥ።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታን

NoticeNotice is hereby given to the public that RAS DUMERA PRIVATE LIMITED COMPANY is formed among the following members:

A. Name Nationality Address Shares

1. Hailemichael Mezghebe Hailu Eritrean USA 502. Mehamed Ahmed Mahmud Eritrean Eritrea 50 100

B. Head office of the company will be in Asmara, Eritrea and branch offices may be opened within the country.

C. The company has a share capital of Nakfa 2,000,000.00 (Two million Nakfa) divided into 100 (One hundred) registered shares of par value of NAKFA 20,000.00 (Twenty thousand Nakfa) each all subscribed and fully paid up by the member’s in cash.

D. The company shall engage in: 1. Restaurant and Fast Food,2. Bakery, Cake and Biscuits and Ice Cream Factory, 3. Hotel, 4. Import and Export,5. Commission agent or representative, 6. Internet café,7. Super market, and 8. General Trading Activities such as, Wholesale, Retail of spare parts,

Sales of building and agricultural materials.E. Mr. Haile Abraha Gebrekidan is appointed as a manager for unlimited period.F. The company is established for unlimited period of time.

RAS DUMERA PRIVATE LIMITED COMPANY

Page 7: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 7

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታቻይና ስፌኮ ኤርትራ (China Sfeco Eritrea) ሓፈሻዊ ናይ ህንጻ ተኾናታሪ፡ ኣብ ዛራ ዝርከብ ናይ ወርቂ ፕሮጀክት ዘሎ ህንጻዊ ስራሓት ንምስራሕ ኮንትራት ዝወሰደ ትካል እዩ። ኣብዚ ፕሮጀክት’ዚ ዝሰርሑ ክኢላታት ክቆጽር ስለዝደለየ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝበቅዕ ክእለት/ሞያ ኣለኒ ዝብል በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድርሻና ናብ ቢት ጽሕፈትና ከቕርብ ንሓትት።

ናይ መንደቕ ፎርማን(Mason foreman)1. ደ/ትምህርቲ…………………………………….ብዉሕዱ 10ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ ፎርማን ኮይኑ 6 ዓመት ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን…………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፡ መደብ ናይ ምሕንጻጽን ምዉህሃድን ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብእንግሊዝ ክረዳዳእ ዝኽእል፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥርን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ብሕጡብ፥ብብሊኮቲን፥ ብእምኒን ዝንደቑ መንደቓት ምቁጽጻር•ሓፈሻዊን ዓለም ለኻዊን ናይ ህንጻታትን ኮንትራትን ሕጊ ዝርዳእ•ናይ ስራሕ መምርሒ ምቕባልን ምሃብን፥ ብመምርሒ መሰረት ድማ ስራሕ ከምዝተፈጸመ ምክትታል•ብመሰረት ካርታ ዝተፈላልየ መሳርሒታት ብምጥቃም ዝተፈላልዩ ናይ መሰረት ስራሓት ምሕንጻጽ፡ ምክትታልን ምቁጽጻርን•ዝባዓጥ ባዕጢ ብመሰረት ዝተዋህበ ናይ ባዕጢ መምርሒ ምዃኑ ምርግጋጽ •ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርንብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ነዳቖ(Mason)2. ደ/ትምህርቲ…………………………………….ብዉሕዱ 6ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 6 ዓመት ነዳቓይ ኮይኑ ዝሰርሐተወሳኺ ኽእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………20ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ብሕጡብ፥ብብሊኮቲን፥ ብእምኒን መንደቕ ክነድቕ ዝኽእል•ናይ ስራሕ መምርሒ ምቕባልን፥ ብመምርሒ መሰረት ድማ ዝተዋህቦ ስራሕን ዕማምን ምፍጻም •ብመሰረት ካርታ ዝተፈላልየ መሳርሒታት ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ናይ መንደቕ ስርሓት ልክዕነቶም ምርግጋጽ•ዝተፈላለዩ መሳሪሒታት ብምጥቃም ባዕጢ ምድላዉን ዝተባዕጠ ባዕጢ ምክትታልን•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርንብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስራሓት ዝሰርሕ•

ናይ ምልሓም ፎርማን( Welding forman)3. ደ/ትምህርቲ…………………………………….ብዉሕዱ 10ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 5 ዓመት ናይ ምልሓም ሓለቓ (Welding foreman) ኮይኑ ዝሰርሐ ተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ መደብ ናይ ምሕንጻጽን ምዉህሃድን ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብእንግሊዝ ክረዳዳእ ዝኽእል፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥርን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእልዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01

ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕናይ ህንጻ ስርሓት ስእሊ ብጉቡእ ከንብብን ክትርጉምን ዝኽእል•ሓፈሻዊን ዓለም ለኻዊን ናይ ህንጻታትን ኮንትራትን ሕጊ ዝርዳእ•ብዛዕባ ምልሓምን መስርሕ ምልሓምን ጉቡእ መረዳእታ ዘለዉን ነቲ መስርሕ ክቆጻጸር ዝኽእልን•ናይ ኩሉ ዓይነት ሓጺን ጉቡእ ኣቆራርጻ፡ ኣለሓሕማን፡ ኣዘሓሕላን ብጉቡእ ዝመልኽን ዝቆጻጸርን•ብትወሳኺ ዘይምርቱ ሓጻዊን፥ መዉዓይቲ፥ ዓበይቲ ኣጋንእን ናይ ንፋስ ኣጋንእን ምልሓምን ነቲ መስርሕ ምቁጽጻርን•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርንብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስራሓት ዝሰርሕ•

ለሓሚ( Welder)4. ደ/ትምህርቲ…………………………………….ብዉሕዱ 8ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 6 ዓመት ኣብ እንዳስትሪ ናይ ምልሓም ተመኩሮ ዘለዎ ተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ መደብ ናይ ምሕንጻጽን ምዉህሃድን ዓቕሚ ዘለዎ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥርን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእልዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………2ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ብዛዕባ ምልሓምን መስርሕ ምልሓምን ጉቡእ መረዳእታ ዘለዉን ነቲ መስርሕ ብግቡእ ዝመልኽን•ናይ ኩሉ ዓይነት ሓጺን ጉቡእ ኣቆራርጻ፡ ኣለሓሕማን፡ ኣዘሓሕላን ብጉቡእ ዝመልኽን ዝቆጻጸርን•ብትወሳኺ ዘይምርቱ ሓጻዊን፥ መዉዓይቲ(Boilers)፥ ዓበይቲ ኣጋንእን ናይ ንፋስ ኣጋንእን ምልሓም ዝመልኽ•ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነ•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርንብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ካርፔንተር ፎርማን(Carpenter Forman)5. ደ/ትምህርቲ…………………………. ካብ ቤትምህርቲ ተክኒክ ብስራሓት ዕንጨይቲ ዝተመረቐ/12 ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………..ብዉሕዱ 6 ዓመት ኣብ ስራሓት ዕንጨይቲ ከም ፎርማን ኮይኑ ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን…………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል: ብእንግሊዝ ክረዳዳእ ዝኽእል፡ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ህንጻዊ ስእሊ ከንብብ፥ ኣንቢቡ ክርዳእን ክትርጉምን ዝኽእል•ሓፈሻዊን ዓለምለኻዊን ናይ ህንጻታትን ኮንትራትን ሕጊ ዝርዳእ•ብዛዕባ ስራሓት ዕንጨይቲን ምግጥጣም ዕንጨይቲን ጉብእ ኣፍልጦ ዘልዎ •ባዕሉ ክስርሕ፡ ከስርሕን ክቆጻጸርን እኹል ፍለጠትን ዓቕሚን ዘለዎ•ምፍራይን ምቁጽጻርን ፎርም ዎርክስ ( formworks) •ዝተዓሙ ስራሓት ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ምግምጋምን ርእይቶ ምሃብን•ብዛዕባ ስራሓት ዕንጨይቲ ዝምልከት ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከቕርብ ዝኽእል•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርንብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ካርፔንተር (Carpenter )6. ደ/ትምህርቲ……………………………………. 8ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 5 ዓመት ኣብ ስራሓት ዕንጨይቲ ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእልዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………15ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ብዛዕባ ስራሓት ዕንጨይቲን ምግጥጣም ዕንጨይቲን ጉብእ ኣፍልጦ ዘልዎ •ባዕሉ ክስርሕ፡ ከስርሕን ክቆጻጸርን እኹል ፍለጠትን ዓቕሚን ዘለዎ•ምፍራይን ምቁጽጻርን ፎርም ዎርክስ ( formworks) •ብዛዕባ ስራሓት ዕንጨይቲ ዝምልከት ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምቕራብ•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነ•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ፈርያለ ፎርማን (Bar bender foreman7. )ደ/ትምህርቲ…………………………………. 10ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 6 ዓመት ፈርያለ ፎርማን ኮይኑ ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል: ብእንግሊዝ ክረዳዳእ ዝኽእል፡ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ህንጻዊ ስእሊ ከንብብ፥ ኣንቢቡ ክርዳእን ክትርጉምን ዝኽእል•ሓፈሻዊን ዓለምለኻዊን ናይ ህንጻታትን ኮንትራትን ሕጊ ዝርዳእ•ዝተፈላልየ ዓቐን ናይ ሓጺን ዝፈልጥን ምስ ዘሎ ስእሊ ኣታኣሳሲሩ ስራሕን ሰራሕተኛን ክመርሕ ዝኽእል•ዝተፈላልየ ዓቐን ዘለዎም ሓጺን ዝተፈላልየ መሳርሒታት ተጠቒሙ ክቖርጽን ስእሊ ብዝእዝዞ መሰረት ክኣስርን ክቆጻጸርን •

ዝኽእል ዝተዓሙ ስራሓት ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ምግምጋምን ርእይቶ ምሃብን•ብዛዕባ ስራሓት ሓጺን ዝምልከት ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምቕራብ•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን •

ጽቡቕ መረዳእታ ክህልዎም ዝገብርን

ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ፈርያለ (Bar bender )8. ደ/ትምህርቲ……………………………………. 6ይ ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 3 ዓመት ፈርያለ ኮይኑ ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእልዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………08ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ዝተፈላልየ ዓቐን ዘልዎም ሓጺናት(Bars) ዝፈልጥ•ዝተፈላልየ መሳርሒታት ተጠቒሙ ዝተፈላልየ ዓቐን ዘልዎም ሓጺናት(Bars) ክቖርጽን ክዓጽፍን ዝኽእል•ዝተፈላልየ ስእልታት (Drawings) ኣንቢቡ ክርዳእ ዝኽእል•ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነታዊ መንገዲ ዝፍጽምን ተወሃሂዱ ዝሰርሕን•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጹቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ድራዉሊኮን ኤልክትርሻንን( Plumber and Electrician)9. ደ/ትምህርቲ…………………………………….ካብ ቤ/ት ስነ ኪነት ብስነ ኪነት ዝተመረቐ/12 ክፍሊ ዝወደአልምዲ ስራሕ…………………………………..ብዉሕዱ 3 ዓመት ድራዉሊኮን ኤለክትርሻንን ኮይኑ ዝሰርሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን………………………..ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ምስ ኣብ መዓሰከር ዝግበር ናይ ኤለክትሪክን ናይ መስመር ማይ ስርሓትን ጽቡቕ ሌላ ዘለዎ•ምስ ናይ ስርሓት መስመር ማይን ኤልክትሪክን ስእልታት ጽቡቕ ሌላ ዘለዎ •ልሙዳት ዝኾኑ ናይ ማይን ናይ ኤለክትሪክን ስርሓት ክሰርሕ ዝኽእል•ስእሊ ብምዕዛብ ዝተፈላልየ መሳሪሒታት ክተክል ዝኽእል•ቀጻሊ ናይ መስመር ማይን ኢሌክትሪክን ጽገና ክገብር ዝኽእል•ዘይንቡር ኣጠቓቕማ ኤልክትሪክን ማይን ዝእርምን ዝቆጻጸርን •ብማይን ብኤልክትሪክን ክስዕቡ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ቅድመ መጠንቀቕታ ምግባርን ምስ ኣጋጠሙ ድማ መአረምታ ምግባር•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

መራሕ ዓባይ መኪና /ገልባጢት( Dump Truck Driver )10. ደ/ትምህርቲ……………………………………. 6ይ ክፍሊ ዝበጸሐን 5ይ ደረጃ መምርሒ ፈቓድ ዘለዎን ልምዲ ስራሕ………………………………….. ልዕሊ 3 ዓመት ዓባይ መኪና ዝምረሐተወሳኺ ክእለትን ጥበብን……………………….. ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………02ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ካብ ቦታ ናብ ቦታ መኪና ብጥንቃቐ ክመርሕ ዝኽእል•ብጥንቃቐ ሓመድ፥ እምኒ፥ ሑጻ፥ ጡብ፥ ጃያ …ወዘተ ምምልላስን ምግልባጥን•ናይ መኪንኡ ኩነታት ንምፍላጥ ቀጻሊ ማይ፡ ዘይቲ፡ ነዳዲ፡ ግራሶ፡ ጎማን ካልእን ዝቆጻጸር •መኪንኡ ኩሉ ግዜ ብጽሬትን ጥንቃቐን ዝሕዝ •ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ ብህጹጹ ናብ ምምሕዳር ትካል፡ ሃገራዊ ኮርፖሬሽን መድሕን ኤርተራን ፖሊስ ተራፊክን ጸብጻቡ ዝህብ•ናይታ ሒዝዋ ዘሎ መኪና ኩነታት ኣብ መዝገብ መኪና (Log Sheet) ከስፍር ዝኽእል•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጹቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ሎደር ኦፐሬተር( Loader operator )11. ደ/ትምህርቲ……………………………………. 6ይ ክፍሊ ዝበጸሐን 5ይ ደረጃ መምርሒ ፈቓድ ዘለዎን ልምዲ ስራሕ………………………………….. ልዕሊ 5 ዓመት ብሞያ ሎደር ኦፐሬተር ዝሰርሐ ተወሳኺ ክእለትን ጥበብን……………………….. ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ኣብ ቅድሚት ብንፋስ ሓይሊ ዝሰርሕ ባዴላ ዝተገጥመላ ሎደር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምዝዋር•በቲ ብንፋስ ሓይሊ ዝሰርሕ ባዴላ ጌርካ ዝተፈላልዩ ነገራት ምግሓጥን ናብ ካላኦት ተሽከርከርቲ ምጽዓን•ብጥንቃቐ ሓመድ፥ እምኒ፥ ሑጻ፥ ጡብ፥ ጃያ …ወዘተ ምምልላስን ምግልባጥን• ኩነታት ሎደር ንምፍላጥ ቀጻሊ ማይ፡ ዘይቲ፡ ነዳዲ፡ ግራሶ፡ ጎማን ካልእን ምቁጽጻር•መኪንኡ ኩሉ ግዜ ብጽሬትን ጥንቃቐን ምሓዝን ሉሙድ ጽገና ምግባርን •ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ ብህጹጹ ናብ ምምሕዳር ትካል፡ ሃገራዊ ኮርፖሬሽን መድሕን ኤርተራን ፖሊስ ተራፊክን ጸብጻቡ ምሃብ•ናይታ ሒዝዋ ዘሎ ሎደር ኩነታት ኣብ መዝገብ መኪና (Log Sheet) ከስፍር ዝኽእል•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቃቐን ጹቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

12. ፎርክ ሊፍትኦፐሬተር( Fork lift operator )ደ/ትምህርቲ……………………………………. 6ይ ክፍሊ ዝበጸሐን 3ይ ደረጃ መምርሒ ፈቓድ ዘለዎን ልምዲ ስራሕ………………………………….. ልዕሊ 5 ዓመት ብሞያ ፎርክሊፍት ኦፐሬተር ዝሰርሐ ተወሳኺ ክእለትን ጥበብን……………………….. ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ሚዛን ናይ ምሕላዉ ክእለት ዘለዎ፡ ጽቡቕ ናይ ዓይኒ ኢድን እግርን ምዉህሃድ ዘለዎዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ፎርክሊፍት ብጥንቃቐ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከመላልስ ዝኽእል•ካብ መጽዓኒ ባለት(Pallets) ዝተፈላልየ ኣቑሑት ክጽዕንን ከራግፍን ዝኽእል•ከበድቲ ጽዕነት ሓፍ ብምባል ካብን ናብን ከመላልስ ዝኽእል•ዝተፈላልየ ከብድቲ ጽዕነት ካብ ዝተጻዕናን ዘይተጻዕናን መካይን ምርጋፍን ምድያብን•ኩነታት ሎደር ንምፍላጥ ቀጻሊ ማይ፡ ዘይቲ፡ ነዳዲ፡ ግራሶ፡ ጎማን ካልእን ምቁጽጻርን ሉሙድ ጽገና ምግባርን•ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ ብህጹጹ ናብ ምምሕዳር ትካል፡ ሃገራዊ ኮርፖሬሽን መድሕን ኤርተራን ፖሊስ ተራፊክን ጸብጻብ ምሃብ•ናይታ ሒዝዋ ዘሎ ፎርክ ሊፍት ኩነታት ኣብ መዝገብ መኪና (Log Sheet) ከስፍር ዝኽእል•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጹቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ሚክሰር ኦፐሬተር( Mixer operator )13. ደ/ትምህርቲ……………………………………. 6ይ ክፍሊ ዝበጸሐን 3ይ ደረጃ መምርሒ ፈቓድ ዘለዎን ልምዲ ስራሕ………………………………….. ልዕሊ 5 ዓመት ብሞያ ሚክሰር ኦፐሬተር ዝሰርሐ ተወሳኺ ክእለትን ጥበብን……………………….. ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝተማለአ፥ ዝተዋህቦ ዕማም ብሓላፍነት ዝፍጽም ፡ ኣብ ጻዕቕን ወጥሪን ዘለዎ ኩነታት ክሰርሕ ዝኽእል፡ ዕድመ …………………………………………ካብ 18 ዓመት ንላዕሊዝድለ ብዝሒ………………………………………01ዕማማትን ሓላፍነትን ስራሕ

ደረቕን ፈሳሲን ኣዋሃሂዳ ባዕጢ እትፈጥር ማሽን ዘንቀሳቕስ•መኪና ወይ ፎርክ ሊፍት ተጠቒሙ ዝተፈላልየ ነገራት ካብ ዝትፈላልየ ቦታ ናብ ናይ ስራሕ ቦት ከንቀሳቕስ ዝኽእል•ዝተፈላልየ ዓቐን ተጠቒሙ ዝተፈላልየ ዓይነት ባዕጢ ከዳልዉ ዝኽእል•ዝተፈላልየ ባዕጢ ንምድላዉ ዘድልዩ ነገራትን ግዜን ጉቡእ ኣፍልጦ ዘለዎ•እቲ ዝተዳለወ ባዕጢ ነቲ ዝድለ ረቓሒታት ዘማልእን ዘየማልእን ምኻኑ ንምፍላጥ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ምግባር•ኩነታት ሚክሰር ንምፍላጥ ቀጻሊ ማይ፡ ዘይቲ፡ ነዳዲ፡ ግራሶ፡ ….ወዘተ ምቁጽጻርን ሉሙድ ጽገና ምግባር •ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ ብህጹጹ ናብ ምምሕዳር ጸብጻብ ምሃብ•ናይታ ሒዝዋ ዘሎ ሚክሰር ኩነታት ኣብ መዝገብ መኪና (Log Sheet) ከስፍር ዝኽእል•ብዛዕባ ድሕነትን ጥንቓቐን ጹቡቕ መረዳእታ ዘለዉን ናይ ድሕነት መሳርሒታት ክጥቀም ፈቓደኛ ዝኾነን•ብሓላፊኡ ዝተዋህቦ ካልእ ተመሳሰልቲ ስርሓት ዝሰርሕ•

ተወሳኺ ሓብሬታ፡ሃ/ኣገልግሎት ዘይምልከቶ ወይ ድማ ጉቡኡ ከምዝፈጸመ መረጋገጺ ከቕርብ ዝኽእል•ካብ ዝሰርሖ ዘሎ ትካል ናይ ስንብታ ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል•ናይ ስራሕ ቦታ ዛራ •ደሞዝ ብስምምዕ•

ኩሎም ኣብዚ ፕሮጀክት’ዚ ተቐጺሮም ክሰርሑ ዝደልዩ ሰባት ዘይምለስ ቅዳሕ ናይ ስራሕምስክር ወረቐት፡ ዘለዎም ናይ ትምህርትን ሞያን ሰነዳት፡ ኤርትራዊ መንነት፡ ሃ/ኣገልግሎት ከምዝወድኡ ወይ ከምዘይምልከቶም ዘረጋግጹ ሰነዳት….ወዘተ ምስ ምልክታ ኣታሓሒዞም ናብዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጻሉ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ ማዓልታት ክልእኩልና ይኽእሉ፥፡ኩሎም ናይ ስራሕ ጠለባት ብፖስታ ይላኣኹን ዉሑዳት ነቲ መዐቀኒ ዘማልኡ ድማ ንቃለመሕተት ይቐርቡን።ኣድራሻና China Sfeco Eritrea, P.o.Box_2939 Asmara Eritrea

Page 8: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 8

ሃብቶም ጸጋይ

ዘለናዮ ዘመን ብዙሓት ክለባት ኤውሮጳ፡ ብሃብታማት ሰብ ጸጋ ዝኾኑ ኣመሪካውያን፡ ሩስያውያን ከምኡ’ውን ዓረባውያን ኣብ ዝመሓደራሉን ዝውነናሉን ዘለዋ ግዜ፡ እቲ ቀንድን ወሳንን ተራ ናይ ዝምዝገብ ዓወትን ኣብ ምስግጋር ተጻወትቲ ዝተመርኮሰ ወጻኢታትን እዩ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ክለባት ምስቲ ኣዝዩ ገዚፍ ወጻኢታት እቲ ዝምነያኦ ዓወታት ኣብ ዘይረኽባሉ ግዜ፡ ዓባይ ክለብ ባርሴሎና ዘይከም ዝተፈላለያ ክለባት ኤውሮጳ ካብ መሰልጠኒ ማእከላ ብዝፈረዩ ብሉጻት ተጻወትቲ ተሓጊዛ ዓበይቲ ዓወታትን ጸብለልትነትን ከተመዝግብ ካብ እትጅምር እንሆ ናብ ዓስራይ ዓመታ ትገማገም። እዚ ምንጪ ዓወት ባርሴሎና ዝኾነን

ብ’ላማሲያ’ ዝፍለጥ መሰልጠንን መመልመልን ማእከል ዝኾነ ህንጻ ኣብ 1702 ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንመንበሪ ኣባይቲ ተቐማጦ ባርሴሎና የገልግል ከምዝነበረን፡ ኣብ 1954

ላማሲያ

ድማ ብኽለብ ባርሴሎና ከምዝተዓደገን መዛግብቲ ታሪኽ ይነግር። ድሕሪ ምምራቕ ስታድዩም ኑ-ካምፕ (ኣብ 1957) ህንጻታት ላማሲያ ተሓዲሱን ሰፊሑን ከም ወሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ሓለፍቲ ባርሳ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት ግን እዚ ህንጻ’ዚ ምስ ምምዕባል ክለብ ባርሳ ንዝለዓለ ንጥፈታት ንምክያድ እኹል ብዘይምዃኑ ኣብቲ ህንጻ ዝካየዱ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣብ ውሽጢ ስታድዮም ኑካምፕ ክካየድ ጀመረ።ኣብ 1973 ናብ ባርሳ ዝተጸንበረ

ሆላንዳዊ ዮሃን ክሩፍ ኣብ 1978 ካብታ ጋንታ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ኣብ መንእሰያት ተጻወትቲ ዘተኮረ ናይ መሰልጠኒ ማእከል ንኽቐውም ሓሳብ ኣቕረበ። ነቲ ሓሳብ ድማ እቲ ኣብ 1978 ስልጣን ፕረዚደንትነት ዝተረከበ ጆሴፍ ኑነዝ ብወግዒ ተቐበሎ። ካብ ዝተፈላለያ ንጥፈታት ደው ኢሉ ዝነበረ ህንጻ ላማሲያ ካብ 20 ጥቅምቲ 1979 ጀሚሩ ከም መደቀሲ ናይቶም ካብ ከተማ ባርሴሎና ወጻኢ ዝመጹ

ሰልጠንቲ ተማሃሮ ክኸውን ተወሰነ። ኦሪኦል ቶርተ ድማ ናይ መጀመርታ ዳይረክተር ናይቲ ኣካዳሚ ክኸውን ተመዘዘ።ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ላማሲያ፡

እቲ ዝነኣሰ ፍቑድ ዕድመ 6 ዓመት ክኸውን ከሎ ዓመታዊ ካብ 6-8

ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 1000 ቈልዑ ንመእተዊ ዝኸውን ፈተና ይወስዱ። ካብዚኦም ልዕሊ 200 ብሉጻት ናብቲ ኣካዳሚ ክኣትዉ ዕድል ክረኽቡ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ባርሴሎና ናብ 15 ዝኾና ናይታ ከተማ ንኣሽቱ ክለባት ክስልጥኑ ተሰጋግሮም፡ ኣምሳያኡ ድማ እተን ክለባት ካብ ባርሳ ዝተፈላለያ ሓለፋታት ይወስዳ።

መሰልጠኒ ማእከል ላምሲያ ኣብ ዓለም ንዘለዎ ጽልዋ ንምስፋሕ ኣብ መክሲኮ 5፡ ኣብ ግብጺ ድማ 1 ቤት ትምህርቲ

ከፊቱ ይርከብ። ኣብዘን መሰልጠኒ ማእከል ድማ ተማሃሮ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርትን ናይ ኩዕሶ እግሪ ስልጠናን ይወስዱ።ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት

ኣዝዮም ብዙሓት ቈልዑን ኮተቴን ዓለምና ገዝኦም ገዲፎም ኣብቲ መሰልጠኒ ማእከል ሰልጢኖም እዮም። ፍርቂ ካብኣቶም ካብቲ ከተማ ባርሴሎና ዝማእከሉ ግዝኣት ካታሎንያ (ስጳኛ) ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ

ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስጳኛ እዮም። ብቑጽሪ ውሑዳት ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጹ’ውን ኣይተሳእኑን፡ 15 ካብ ካሜሩን፡ 7 ካብ ብራዚል፡ 5 ካብ ሰኔጋል፡ 3 ካብ ኣርጀንቲና ገለ ካብቶም ኣብ መዛግብቲ

ላማሲያ ስሞም ዘስፈሩ እዮም። ጥንታዊ መንበሪ ኣባይቲ ተቐማጦ

ከተም ባርሴሎና ዝነብረን ጸኒሑ ማእክል መሰልጠኒ ብምዃን ንነዊሕ ዘገልገለን ህንጻ ላምሲያ ካብ 30 ሓምለ 2011 ጀሚሩ ስርሑ ደው ከምዘበለን ንቦታኡ ድማ ሓድሽ ህንጻታት ብዘመናዊ ኣገባብ ተሰሪሑ ከምዝተተክአ ክለብ ባርሴሎና ኣፍሊጣ’ያ። እዚ ሓድሽ ዘመናዊ ህንጻ ካብቲ ላማሲያ ዝርከበሉ ቦታ ኣብዘይርሕቕ ቦታ ተሃኒጹ ይርከብ።

ሕብርታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንዝተፈላለየ መዓላታት ንጥቀመሎም ኢና። ብተወሳኺ’ውን ነፍስወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ሕብሪ ይህልወና’ዩ። ኩሎም ሕብርታት ናይገዛእ ርእሶም መግለጺ ኣለዎም። ንገለ ካብቶም መ ሰ ረ ታው ያ ን ልሙዳትን

ሕብርታት ምስ ንዕዘብ።

ጸሊምጸሊም ሕብሪ ንሓይልን መዝነትን

ይውክል። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ጸሊም ሕብሪ ከም መግለጺ ምእዙዝነትን ትእዛዝን’ዩ። ብተወሳኺ ጸሊም ሕብሪ ከም መግለጺ ሞትን ሰይጣናዊ መንፈስን’ውን ይግለጽ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ’ዩ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግዜ ሓዘን ጸሊም ክዳን ምውዳይ

ሕብርታትን መግለጺኦምንዝዝወተር።

ጻዕዳመግለጺ ንጽህናን ሓቀኝነትን ከምዝኾነ

ዝግለጽ ጻዕዳ ሕብሪ። መብዛሕትኡ እዋን ምስ ውሽጣውን ግዳማውን

ጽሬት ከምዝተሓሓዝ ይ ሕ በ ር ።

ብሓካይምን መርዓትን ዝውከል ጻዕዳ

ሕብሪ ብተወሳኺ መግለጺ ሰላም እዩ።

ቀይሕቀይሕ ካብ ኩሎም ሕብርታት ልዑል

ናይ ስሕበት ሓይሊ ዘለዎ ዓይነት ሕብሪ ኮይኑ። ንስሕበት ዝገልጽ ሕብሪ’ዩ። ዝበዝሐ እዋን ከም መግለጺ ፍቕሪ ዝግለጽ ቀይሕ ሕብሪ። ኣብ ዝተፈላለዩ

እዋናትን ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝወሃቡ ፍቕራዊ ህያባት ዝዝውተር ሓያል ስሕበት ዘለዎ ሕብሪ’ዩ።

ሰማያዊእዚ ብሕብሪ ሰማያትን ውቅያኖሳትን

ዝግለጽ ሕብሪ። ንሰላምን ጸጥታን ዝውክል እዩ። መብዛሕትኡ እዋናት መንበሪ ገዛውቲ በዚ ሕብሪ’ዚ ክልከዩ ምርኣይ ነዚ መግለጺ ዘራጉድ ኣብነት’ዩ። ከም መግለጺ ሰላምን ጸጥታን።

ቀጠልያንባህሪ ከምዝውክል ዝግለጽ ቀጠልያ

ሕብሪ። ንባህርያውያን ነገራት ዝውክሉ ነገራት መብዛሕትኡ እዋን በዚ ሕብሪ ይግለጹ።

ብጫብጫ ንዘብለጭልጩ ነገራትን

ንፈንጠዝያን ዝውክል ሕብሪ’ዩ። ብተወሳኺ ብጫ ብፍላይ ድሙቕ ምስ ዝኸውን ካብቶም ኣዝዮም ረበሽቲ ዓይነት ሕብርታት ተባሂሉ ይግለጽ’ዩ።

ጽገረዳዊ (ጁክ)መግለጺ ንግስነት ዝኾነ ሕብሪ

ጽገረዳ። ንምልክት ሃብትን ገንዘብን ይውክል። ምልክት ዝና ዝኾነ ሕብሪ ጁክ ብተወሳኺ ፍቕራዊ ሕብሪ’ውን ተባሂሉ ይግለጽ።

ሕቶ ንሃብሮም

1. ጥቕሚ ሄሞግሎቢን ኣብ ደምና እንታይ ኢዩሀ. ንደምና ሙቐት ከምዝህልዎ ይገብርለ. ደምና ክረግእ ይሕግዝሐ. ደምና ቀይሕ ሕብሪ ንኽህልዎ ይሕግዝመ. ኦክስጅን ኣብ ደምና ከይጽንበር ይከላኸል

2. ኣብ ጸወታ ራግቢ ሓንቲ ጋንታ ኣብ ሜዳ ተሰልፎም ተጻወትቲ ክንደይ ኢዮምሀ. 12 ለ.14 ሐ. 13 መ. 15

3. ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ዘይኮነ ኣለሊሀ. ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራለ. ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኒውዮርክ ኣብ 2001ሐ. ምእዋጅ ልኡላዊት ሃገር ማቄዶንያመ. ምጥሓል ዓባይ መርከብ ታይታኒክ

4. ካብ ሓደ ኩንታል ሓመድን ሓደ ኩንታል ሓጺንን ኣየናይ ይኸብድ? ስለምንታይ?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን

1. ሐ 2.ለ 3. ኣብ 1986 ኣብ ኣመሪካ 4. ለ 5. ሪዮ ዲ ጃንየሮ - ብራዚል

Page 9: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 9

ገጻት ፈስቲቫል

Page 10: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 10

ስድራ-ቤታት ክለባት ጥዕና ኣብ ዘቤታዊ ቱሪዝምስድራ-ቤታት ጥዕናአን ንምሕላው ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀማ’የን። ሓደ ካብኡ ምውስዋስ ኣካላት ወይ ድማ ስፖርት’ዩ። እዚ ኣገባብ እዚ እናዘናገዐ ጥዕና ዝሕሉ ሜላ’ዩ። ምውስዋስ ኣካላት ዝሓሸ ዓይነት ኣገባብ ፍወሳ ምዃኑ ብዙሓት ክኢላታት ሕክምና ዝሰማምዕሉ’ዩ። “ካብ ሓሚምካ ሕክምና፡ ተኸናኺንካ ጥዕና” ከም ዝበሃል ድማ ግዱሳትን ገዳይም ስፖርተኛታትን ኣብ ኵዑሶ እግሪ፡ ብሽክለታ፡ ኵዑሶ መርበብ፡ ኲዕሶ ሰኪዐት … ካልእን፡ ክለባት ጥዕና ኣቚሞም ኣብ ዘዝጠዓሞም በብዝጥዕሞም ብምውዳብ ጥዕናኦም ዝሕልዉ። ኣብ ሃገርና ዝተፈላለያ ኣባላት

ክለባት ጥዕና ስድራ-ቤታት፡ ብመገዲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ጥዕናአን ዝሕልዋ ኣለዋ። እዚ ከኣ

ምሕዝነተን፡ ፍቕረንን ሕውነተንን … ንኸደልድላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ህይወት - ኣብ ሓጎስን ሓዘንን፡ መርዓ፡ ጥምቀት፡ ሕማምን ሞትን … ወዘተ ዋናታትን ኮይነን ንኽዋስኣ፡ ካብዚ ሓሊፈን’ውን ኣብ ስድራ-ቤታተን፡ ናብራአንን ደቀንን ዝኣተወ ሌላ፡ ፍቕሪን ሓድነትን ጠሚሩ ንኽጓዓዛ ኣኽኢሉወን ይርከብ።ኣባላት እዘን ክለባት ጥዕና

ዝራኸቡላ መዓልቲ ብህንጥዩነት’ዮም ዝጽበይዋ። ሰሙን ምሉእ ኣብ ኣካላቶም ዝቐነየ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት ናይ ናብራ፡ ስራሕን ማሕበራዊ ህይወትን ኣብ ሜዳ ኵዑሶ እግሪ ከይዶም ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ብምክያድ ኣእምሮኦም የዛንዩ። ኣብ ጸወታ፡ ስፖርታዊ መንፈስ ዘልዓሎ ሓያል ወንን ምንሕናሕን ዝመልኦ ግጥማት የካይዱ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ዝተኣከበ ዘይኣድላዪ ስብሒ ብረሃጽ ይወጽእ። ኣብ ምክልኻል ሕዱራት ሕማማት ዝህሉ ተጻዋርነት’ውን ይሕይል። እዚ ድማ፡ ንህይወት ዉሕስቲን ጥዕና ዘለዋን ይገብራ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ዝተመልአ

ሓይሊ ድማ (infused energy)፡ ኣብ ርእሲ እቲ መዓልታዊ ምንቅስቓስ፡ ንህይወት ተደራቢ ጸዓት ይኾኖ። ኣባላት እዘን ክለባት ጥዕና ስድራቤታት፡ ሕጕሳት፡ ነብሶም ፈኵስ፡ እናሰሓቑን እናተዛነዩን ይነብሩ። ምስ ሰባት ናይ ምርድዳእ ዓቕሞም’ውን ብኡ መንጽር ይዓቢ።ገለ ካብዘን ክለባት ጥዕና

ስድራቤታት- ጋንታ መሰረት ኤሌክትሪክ፡ ፍሒራ፡ ገጀረት፡ ሕውነት፡ ጂምናዝዩም ኣስመራ፡ ገዲም መሎቲ፡ ስካንያ፡ ኣልታሕሪር፡ ወጋሕታ ብርሃን፡ ገዲም ዙላ ወዘተ. . . ይርከባ። እዘን ክለባት ጥዕና ስድራቤታት ማዕረ-ማዕረ እቲ ስፖርታዊ ዝምድናአንን

ማሕበራዊ ህይወተንን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከባቢታትን ሃገርና ምብጻሕ ቀንድን ኣገዳስን መደባተን’ዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ብዙሕ ቦታታት በጺሐንን ይበጽሓን። ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ክለብ ጥዕና ጋንታ መሰረት ኤሌክትሪክ ኣብ ደቀምሓረ፡ ጋንታታት ክለብ ፍሒራ፡ ገጀረትን ኣልታሕሪርን’ውን ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ዑደትን ናይ ምዝንጋዕ መደባትን ነይርወን። ንስድራቤታዊ ሓድነተንን ፍቕረንን ዘሐይል ባህ ዘብል ግዜ ድማ ኣሕሊፈን። ኣባላት እዘን ክለባት ጥዕና ስድራቤታት ብዕድመ ካብ 35 ክሳብ 60ታትን ዝርከብወን’የን። ካብ’ዘን ክለባት ካብ ዝምስረታ ብሩራዊ እዮቤልዪ (25 ዓመት) ዘሕለፋ’ውን ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ዑደት ዘይተርፍ

ኣካል ምንቅስቓስ ኣካላት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ኣብ ግዜ ጉዕዞ ኣብተን ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ዝፍኖ ዝተፈላለየ ዜማታት፡ ነቶም ኣባላት ሓጎስ ዝፈጥርን ተዘክሮኦም ዘሐድስን’ዩ ነይሩ። ብፍላይ እቲ ብገዳይም ድምጻውያን ዝተደርፈ

ደርፍታት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት፡ ንድሕሪት መሊሱ ተዘክሮ ንእስነትን ዝተፈራረቐ ስምዒትን ከምዝህልዎም ይገብር። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ህይወት ዝሓለፈን ዘሎን ውሽጢ ኣቲኻ ክትርእዮ እንክትፍትን፡ ከብዲ ሓፍ ሓፍ ይብል። ናፍቖት፡ ተዘክሮ፡ ጕብዝና፡ ዝሓለፉ ስፖርታዊ ኣጋጣሚታትን ተዘክሮታቶምን … ካልእን ይቕጀል፣ ምድፍናቕ ይበዝሕ። ኣካላት ካብ ህሉው ግዜኡን ቦታኡን ወጺኡ ብሓሳባት ይዕዘር። እንታይ’ሞ ይግበር!? ህይወት ናታ መስርሕ ኣለዋ። ገለ ካብዘን ክለባት ጥዕና

ስድራቤታት፡ ኣብ ደቀምሓረን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕን ዝገብርዎ

ዑደት፡ ንቱሪዝም ትንፋስን ኣካል ‘ሃገርካ ፍለጥን’ ዝሕመረቱ እናዘናግዐ ምስ ሃገር ዘላሊ ምዃኑ ኣባላት እተን ክለባት ይዛረቡ።

እዘን ስድራ ቤታት ክለባት ጥዕና፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ኣብ ክልተ ሰዓት ሰለስተ ወቕቲ እተስተማቕረሉ መስመር ኣስመራ - ምጽዋዕ ዝገበራኦ ዑደት ፍሉይ ጦብላሕታ

ዘትረፈ’ዩ ነይሩ። እዚ ዑደት’ዚ ንኹለን ኣብ መስመር ኣስመራ - ምጽዋዕ ዝርከባ ንኣሽቱ ከተማታት ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ። ኣብተን

ከተማታት ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዖም ዘካይድዎ፡ ንዘቤታዊ ቱሪዝም ምሉእ ኣቓልቦን ኣድህቦን ዝህብ’ዩ። እዚ ድማ ብመጠኑ እተን ከተማታት ንኽንቀሳቐሳ ይሕግዝ።ኣብ ጋሕተላይ ዝርከብ

ባህሪያዊ ውዑይ ማይ፡ ተጓዓዝቲ ይሃርፍዎ’ዮም። ኣብዚ ግን እቲ ውዑይ ማይ ትሕተ-ቕርጺ፡ ንቱሪዝም ምቹእ ኣይመስልን። ማዕጾ ይኹን ናሕሲ ናይቲ ክፍልታት፡ እቲ ማይ ዝፈሰሉ፡ ናይ ማይ መስመራት ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣይኮነን። ብዓይኒ ቱሪዝም ዝግደሱ ኣካላት ድማ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብርሉ ይግባእ። እዚ ምስ ዝኸውን ንኣታውን ዕቤትን እቲ ከባቢ ዓቢ ድርኺት ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣየማትእን። እቶም ኣባላት ክለብ ጥዕና

ስድራቤታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ውሽጢ ባጽዕ፡ መዐሸጊ

መራኽብን መኸዘኒ በረድን በጺሖም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓርቢ 2 ነሓሰ 2013 ምሸት ዘይንቡር ዝናብ ኣብ ምጽዋዕ ዘነበ። ነቲ ዝነበረ ዋዒ ድማ ናብ ጠሊ ቀየሮ። እታ

ወደብ ባጽዕ ድማ ንኽትዛነየላን ንኽትዘናግዓላን እተወናውን ቦታ ኮነት። እዘን ስድራቤታት ክለባት

ጥዕና፡ ንጥፈታተን ኣብ ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ዘቤታዊ ቱሪዝምን ዝተሓጽረ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውህደተንን ሓልዮተንን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ህይወት’ውን ይንጸባረቕ’ዩ። ኣብ ሓጎስ ኮነ ሓዘን ብዕትበት ይዋስኣን ንዝተሸገረ ኣባል ማሕበር ብዓቕመን ይተሓጋገዛን። ኣባላት እዘን ክለባት ጥዕና ስድራቤታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሃገር ንወጻኢ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ሃሞምን ቀልቦምን ኵሉ ግዜ ምስ ማሕበራዊ ህይወት ናይዘን ክለባቶም’ዩ። ኣብቲ ብሑት ዓለም ኮይኖም፡ ምስቲ ጽምዋ ዝዓሰሎ ናብራ ወጻኢ ብምግንዛብ፡ እቲ ህይወት ናይተን ክለባት ከምዝረኣዮምን ከምዝናፍቝን ይገልጹ። ብቐጻሊ፡ ደሃይ ይሓቱ። ይድውሉ። ኣብ ዝመጽእሉ እዋን’ውን ክሳብ ዝኸዱ ግዚኦም ምስ’ዘን ክለባት ከለው ዘሕልፍዎ

ህይወት ይዝክርዎ። እዚ ድማ መግለጺ ህያው ፍቕሮም ምዃኑ ምስክር’ዩ።

መም. ኢዮብ ርእሶም

ኣብ 1983 ዝተመስረተት ክለብ ጥዕና ጋንታ ወጋሕታ ብርሃን

ክለብ ጥዕና ጋንታ ገዲም መሎቲ - ኣብ ኣፍዓበት (ናቕፋ)

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ጋንታ ጥዕና - መቐጸልታ ጋንታ ኤለክትሪክ

Page 11: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ጉዳይ ጋረዝ በይል ኣብ ማዕልቦ . . .

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ፡ ጋረዝ በይል ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ሓድሽ ምዕራፍ ክግንጽል እዩ - ክብረ ወሰን ዓለም ብዝሕዝ መጠን ገንዘብ ካብ ቶተንሃም ናብ ሪያል ማድሪድ ብምስግጋር፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ኣዝዩ ኣዛራቢን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝነበረን ‘ጉዳይ ጋረዝ በይል፡ ዓባይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ንቶተንሃም 134 ሚልዮን ዶላር ብምኽፋል ክትውንኖ ምስምምማዓ ሮይተርስ ኣብቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ልዑል ተራ ኣለዎም ንዝበሎም ሰባት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ፣ዓርሞሸሽ እስጳኛዊት ክለብ ሪያል

ማድሪድ ኣቐዲማ፡ ስም ናይቲ ተጻዋታይ ንዝሓዘ ማልያ ናብ መሸጣ ዘቕረበት ኮይና፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደገፍታ ድማ ነቲ ማልያ ሻማ ሻም ክብልዎ ከምተራእዩ ይሕበር፣ ትማሊ ድማ ማድሪድ ነቲ ኣብ 2009 ንሮናልዶ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንምግዛእ ዘውጽኣቶ ናይ 124.6 ሚልዮን ዶላር ክብረ ወሰን መሰጋገሪ ተጻዋታይ፡ ብጋረዝ በይል ክትሰብሮ በቒዓ ኣላ፣ወዲ 24 ዓመት በይል፡ ኣብ ዝሓለፈ

ክልተ ዓመታት ስፖርት ብዘርኣዮ ዝነኣድ

ኣካላዊ ብቕዓት፡ ብስለት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ከምኡ እውን ብታክቲክን ቴክኒክን ጸብለል ብምባሉ ኣቓልቦ ሪያል ማድሪድ ክስሕብ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ፣ ንሱ ፡ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ድኽመት ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣይሰለፍ፡ ኣብ ክለቡ ብዘርኣዮ ዝነኣድ ብቕዓት ሪያል ማድሪድ ናይ ላ’ሊጋ ጉዕዞኣ ከምኡ እውን ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክብሪ ከጓናጽፋ ከምዝኽእል ብዙሓት ሰባት ይትንትኑ፣ጉዳይ በይል፡ ኣብ ከተማታት ማድሪድ

ለንደን ሓደ ሓደ እዋን እውን ኣብ ሚያሚ ጽዑቕ ዋጋ ዕዳጋ ተኻይዱሉ ነይሩ፣ ብመሰረት ደይሊ መይል ድማ ሎሚ እቲ ተጻዋታይ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ መደብ ክህሉ ከምዝኽእልን ክታሙ እንተደኣ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ዓለም 15 ሚልዮን ዶላር እንተኸፍሎ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ማድሪድ ክጸንሕ ከምዝኽእልን ትገልጽ፣ክሳብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ

ስፖርት ጋረዝ በይል ኣብ ቶተንሃም ሕጉስ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ ዝነበረ፣ እንተኾነ ካብ ማድሪድ ጻውዒት ምስ ቀረበሉ ልቡ ከምዝሸፈተን ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ካብታ እንግሊዛዊት ጋንታ ክፋኖ ከምዝብህግ ምግላጹን ይዝከር፣ዘይተኣደነ መጠን ገንዘብ ብምውጻእ

ባህ ንዝብላ ተጻዋታይ ካብ ምግዛእ ድሕር ዘይትብል ሪያል ማድሪድ፡ ካብ 2000

ጀሚራ ከም ዚዳን፡ ፊጎ፡ ቤክሃምን ካልኦትን ንዝኣመሰሉ ግኑን ስም ዘለዎም ተጻወትቲ ብምህዳን ቀላጽማ ከተዕንትር ጸኒሓን ኣላን፣ንመዝገብ ክብረወሰን ምስጋር ተጻወትቲ

ምስ እንግንጽል፦- ጋረዝ በይል 85.9 ሚልዮን ፓውንድ

እንተደኣ ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ?- ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማን ዩናይትድ

ናብ ሪ.ማድሪድ 80 ሚልዮን ፓውንድ- ካካ ካብ ኤሲ ሚላን ናብ ሪ. ማድሪድ

56.1 ሚልዮን ፓውንድ- ኤዲሰን ካቫኒ ካብ ናፖሊ ናብ ፒኤስጂ

55 ሚልዮን ፓውንድ- ራዳመል ፋልካኦ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ

ናብ ሞናኮ 51 ሚልዮን ፓውንድ- ፈርናንዶ ቶረስ ካብ ሊቨርፑል ናብ

ቸልሲ 50 ሚልዮን ፓውንድ- ነይማር ካብ ሳንቶስ ናብ ባርሳ 48.6

ሚልዮን ፓውንድ- ዚነዲን ዚዳን ካብ ጁቬ ናብ ሪያል

ማድሪድ 45.6 ሚልዮን ፓውንድ- ዛላታን ኢብራሂሞቪች + ሳሙኤል

ኤቶን ካብ ኢንተር ናብ ባርሳ 40 ሚልዮን ፓውንድ- ሃልክ ካብ ፖርቶ ናብ ዘኒት ሴንት

ፒተርስበርግ 39.5 ሚልዮን ፓውንድ ** ** **“ብኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ኣብ ኣፈፌት ሞት በጺሐ” ታይሰን

ሻምፕዮን መኸተ ጉስጢ ከቢድ ሚዛን ዝነበረ ማይክ ታይሰን ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ሂወቱ ክትሓልፍ ተቓሪባ ምህላዋ ኣፍሊጡ፣ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ እቲ

ወዲ 47 ዓመት ዕሉል ተጓሳጣይ፡ ብቐጻሊ ተጠቃሚ ኣልኮላዊ መስተን

ዕጸፋርስን ብምዃኑ ጥዕናኡ ኣብ ሕማቕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ነተን ተሪፈናኦ ዘለዋ ሂወት ክመርሕ ነቲ ወልፊ ‘ንቑሩብ ግዜ እውን እንተኾነ’ ክብድሆ ምዃኑ ኣሚቱ፣ “ካብ ስኽራን ሓራ ዝኾነ ሂወት ክመርሕ እብህግ፣ ክመውት ኣይደልን፣ እንተኾነ ኣብ ኣፈፌት

ሞት ኣለኹ - ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ” ይብል ታይሰን ንኢኤስፒኤን፣ኣብ መበል 20 ዓመቱ (ኣብ 1987

ምዃኑ እዩ) ሻምፕዮን ዓለም ክኸውን ዝኸኣለ ታይሰን ኣብቲ እዋን ሰለስተ ዓበይቲ ክብርታት ክጓናጸፍ ክኢሉ እዩ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ግን፡ ጓል ኣንስተይቲ ዓሚጽካ ተባሂሉ ንሽዱሽተ ዓመታት ናብ ቤት ማሕቡስ ክወርድ ተገዲዱ ነበረ፣ድሕሪኡ ናብ መድረኽ መጓሰጢ

ክምለስ እኳ እንተኸኣለ ኣብ 2006 መጓሰጢ ጓንቲ ምስቃሉ ይፍለጥ፣ ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ድማ ኣልኮላዊ መስተ ወሲዱ መኪና ብምምርሑን ዕጸፋርስ ክወስድ ብምርካቡን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሪሑ፣“ነዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ መዓልታት

ዝኾነ ዕጸፋርስ ኣይወሰድኩን፣ እዚ ነዓይ ተኣምራት እዩ” ይብል ታይሰን፣

ነይማርን ባርሴሎናን ኣንጻር ኣትለቲኮ ማድሪድእስጳኛዊት ክለብ ባርሴሎና ጽባሕ

ረቡዕ ምስ ኣትለቲኮ ማድሪድ ንእተካይዶ ግጥም ካልኣይ እግሪ ሱፐር ካፕ፡ ንሓድሽ ተጻዋታያ ነይማር ዓቢ ሓላፍነት ከተሰክሞ ዝደለየት ኣይትመስልን፣ ካብ ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ ብ57 ሚልዮን ዩሮ ናብ ካታሎን ዝተሰጋገረ ነይማር፡ ዋላ’ኳ ስሙ ገኒኑ እንተሃለወ፡ እታ ሓዳስ ጋንታኡ ኣብ ዘካየደቶም ጸወታታት ምስ ቀዳሞት 11 ክስለፍ ዕድል ኣይረኸበን ዘሎ፣ እንተኾነ፡ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ጀራርዶ ማርቲኖ ካብ መንበር ተቐየርቲ ነቲ ኮኾብ ተጻዋታይ ኣብ ዘሰልፈሉ ዘዕግብ ብቕዓት ይዕዘብ ምህላዉ ኣይሰሓትን፣ብፍላይ ዝሓለፈ ረቡዕ ባርሴሎና ምስ

ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ቀዳማይ እግሪ፡ ነይማር ንባርሳ ማዕረ እትገብራ ሸቶ ከቑጽር ብምኽኣሉ ንቀልቢ ብዙሓት ደገፍቲ ባርሳ ክስሕብ ክኢሉ እዩ፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ላ’ሊጋ እውን እንተኾነ፡ ባርሳ ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ማላጋ ብቐጥቐጥ ናይ 1ብ0 ዓወት እንተኣመዝገበት፡ ተራ ነይማር ኣብ ምፍታሽ ብቕዓት ሓላዊ ልዳት ማላጋ ዕዙዝ ነበረ፣ጽባሕ ረቡዕ ግና፡ መሲ ናብ ጸወታ ናይ

ምምላስ ተኽእሎኡ ብምዕዛዙ ነይማር ከም ዝሓለፈ ጸወታታት ምስ ቀዳሞት 11 ናይ ምስላፍ ዕድሉ ጸቢቡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፣ በዚ ድማ ካታሎናውያን ጋዜጣታት፡ “ነይማር በብቑሩብ ንጾር ባርሴሎና ከፋኹስ ኣብ ልምምድ ይርከብ” ክብላ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረን ይርከባ፣

“ነይማር ክንደይ ግዜ የድልዮ - ብንጹር ኣይፈልጥን እየ፣ ንሱ ጽቡቕ ብቕዓት የርኢ ኣሎ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግን ምስ ቀዳሞት 11 ምስላፉ ኣይተርፎን እዩ” ይብል ንኣሰልጣኒ ቲቶ ቪላኖቫ ዝተከአ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ባርሳ፣“እቲ ጽቡቕ ነገር፡ እዚ ተጻዋታይ’ዚ ኣብ

ዝተሰለፈለን ፍርቂ ሰዓታት ብሉጽ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ፣ እዚ’ዩ ድማ ነዛ ጋንታ ዘድልያ” ይብል ማርቲኖ፣ብመንጽሩ ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ካታሎንያ እያ ልምምዳ ኣካይዳ፣ እዛ ጋንታ ምስ ራዮቫለካኖ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 5ብ- ብገፊሕ ብምዕዋታ ድማ እቲ ግጥም ‘ልምምድ ተባሂሉ ይግለጸላ ኣሎ፣ እንተኾነ ኣብታ ከተማን ኣብ ሜዳ ኖካምፕን ዝካየድ ግጥም በበይኑ ምዃኑ ክዝከር ሓለፍቲ ባርሳ ንደገፍቲ ማድሪድ ኣቐዲሞም የተሓሳስቡ ኣለዉ፣ግጥም ሱፐር ካፕ፡ ኣብ መንጎ ዕውትቲ

ላ’ሊጋን ዋንጫ ንጉስን እዩ ዝካየድ፣ ዝሓለፈ ዓመት ብሞሪኖ ትእለ ዝነበረት ሪያል ማድሪድ ኣብ ግጥም ክልተ እግሪ 4ብ4 ውጽኢት ብምምዝጋብ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ብዘቑጸረቶ ሸቶ ብዝብል ሕጊ ኣብ ልዕሊ ባርሴሎና ምዕዋታ ይፍለጥ፣ ባርሴሎና ካብ 2009 ክሳብ 2011 ኣብ

ትሕቲ ፐፐ ጓርዲዮላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዋንጫ ሱፐር ካፕ ዓቲራ እያ፣ ብመንጽሩ ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ 1985 እያ ነቲ ክብሪ ተቛዲሳ - ንባርሳ ብምርታዕ፣

** ** **

ማን. ሲቲ ብሓደ ስእሊብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ማንቸስተር ሲቲ ብካርዲፍ

3ብ2 ተረቲዓ፣ እታ ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ክትከውን ብብዙሓት ተንተንቲ ዓቢ ግምት ዝተወሃባን ኣብዚ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ድማ ብንጥፈት ክትሽምት ዝኸረመትን ሲቲ፡ በታ ሓዳስ ጋንታ (ናብ ፕሪመር ሊግ ምዃኑ እዩ) ስዕረት ምምዝጋባ ንኣሰልጣኒኣ ማኑኤል ፐለግረኒ መርዘን ኣለዓዒሉሉ ኣሎ፣ እቲ ስዕረት ብሓደ ስእሊ ድማ . . . (ታሕተዋይ ስእሊ ረአ)

ቅድድም ብሽክለታ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረምብምኽንያት ሓደ መስከረም - ምጅማር

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ - ብሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ውድድር ማውንቴን ባይክ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መገዲ ኣስመራ ሕምብርቲ ብዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ጸወታ ቀጺሉ፣ኣብቲ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም

ብሽክለታ ዝተረኽቡሉ ዕለት፡ ካብ ህጻናት ስምኦን ተስፋጋብር፡ ያፌት ዓንደብርሃን፡ ሱራፌል መልኣከ ቀዳሞት ሰለስተ ክኾኑ እንክለዉ፥ ካብ ክሊ ዕድመ 14-15 ድማ ተመስገን ቀለተ፡ ኤፍሬም ገብርሂወትን ቢንያም መብራህቱን ድማ ተመሳሳሊ ደረጃ

ሒዞም፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 16-17፡ ዘሙይ ወልዳይ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ክፍጽም እንከሎ፡ ያቆብ ደበሳይን ዴቪድ ሽሻይን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም፣ንሓሙሽተ መድረኻት ክካየድ ዝቐነየ

ውድድር ማውንቴን ባይክ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ጽባሕ ሰንበት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ብዝካየድ ናይ መፈጸምታ ውድድር ክዛዘም እዩ፣ ኣብቲ ዕለት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 16-17 ኣብ መንጎ ያቆብ ደበሳይ፡ ዘሙይ ወልዳይን ሚኪኤል ሃብቶምን ሓያል ስፖርታዊ ህልኽ ክንጸባረቕ ግምት ኣሎ፣

** ** **

መደብ ክረምታዊ ንጥፈታት ስፖርት ህጻናት ይቕጽልጨንፈር ብኮምሽን ስፖርት ዞባ ማእከል

ተወዲቡ ዓመታዊ ዝካየድ ክረምታዊ መደብ ስፖርት ህጻናት ዝሓለፈ ሳልስቲ ብውድድራት ኣትለቲክስ ምቕጻሉ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ኮምሽን ትማሊ ሓቢሩ፣ኣብ ውድድር 1500 ሜተር ደቂ

ተባዕትዮ ክሊ ዕድመ 12-14 ዓመት ክብሮም ኣፈወርቂ - በሪኽ፡ ፍትሓዊ ጥዑምእዝጊ ጋላነፍሒን ዳዊት ተስፋይን ክዕወቱ እንከለዉ፥ ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቀት ክሊ ዕድመ 15-17 ዓመት ደጀን ተስፋኣለም - በሪኽ፡ በረኸት ቴድሮስ - ገጀረት ከምኡ

ድማ ሓበን ኣነጋው - ቲራቮሎ ተዓዊቶም፣ ኣብ ውድድር 400 ሜተር ደቂ ተባዕትዮ ክሊ ዕድመ 15-17 ደበሳይ መሓሪ - በሪኽ፡ ኣማኑኤል ግርማይ - ማይተመናይ ከምኡ ድማ ተ/ወይኒ ኣረፈ - በሪኽ ቀዳሞት ሰለስተ ኮይኖም፣ ኣብ 1500 ሜተር ደቂ ኣንስትዮ ክሊ ዕድመ 15-17 ዮርሳሌም ኣለም - በሪኽ፡ መርሃዊት ተኽለ - ሰረጀቓን ኣድያም ዳዊት - በሪኽን ዕዉታት ኮይነን፣

Page 12: ኣባላት ማሕበር ኣላሞ ጥዕና ዜጋታት ንምዉሓስ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_27082013.pdf · 2013-08-26 · መበል 22 ዓመት ቁ. 361

ሓዳስ ኤርትራ 27 ነሓሰ 2013 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት፦ ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪ ቤ/መ/መድሃኒት ጎዳይፍ 27/08/2013 ጐደና እምበረሚ 755፡ ከባቢ ሚ/ሪ ሕርሻ 181672

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1 127565

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቂቓ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሶርያ መጥቃዕቲ ምስዝፍንዋ ኣብቲ ዞባ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከምዝፍጠር ኣነጺሩ። ሩስያ ነዚ መጠንቀቕታ ተውጽእ ዘላ፡

ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሶርያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ንምኽፋት ኣብ ዝዳለዋሉ ዘለዋ እዋን’ዩ። መንግስቲ ሶርያ ከሚካላዊ ኣጽዋር ከምዝተጠቕመ እትኸስስ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊኡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ከም እንኮ ኣማራጺ ከምእትርእዮ ተጠንቅቕ።ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከባቢ ደማስቆ

ቈልዓ-ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ብከሚካላዊ ኣጽዋር ህይወቶም ከምዝሓለፈ’ያ ኣመሪካ እትኸስስ። እንተኾነ መንግስቲ ሶርያ ኣብቲ ቅትለት

“ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ” ሩስያ

ኢድ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣባላት ኣጻራዪት ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብቲ ቦታ ብምኻድ መርመራታት ከካይዱ ኣፍቂዱ’ሎ። ብኣመሪካ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ፡

ስርዓት ሰዳም ሑሴን ኣጽነትቲ ኣጽዋር ኣለዎ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ልዕሊ

ዒራቕ ወራር ከምዝኸፈተን ጸኒሑ ከምዝተረጋገጸ ግና ሰዳም ሑሴን ኣጽነንቲ ኣጽዋር ከምዘለዎ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ከምዘይተረኽበን ዘረድኡ ጸብጻባት፡ እዚ ሕጂ ሶርያ ከሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒማ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ወራር ንምክያድ ንምምስማስ ክኸውን ከምዝኽእል የመልክቱ።

መነባብሮ ብሪጣንያ እናኸፍአ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ 3.6 ሚልዮን ቈልዑ

ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ይነብሩ ምህላዎም ተረጋጊጹ።ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሓድሽ

መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ኣህጉራዊ ቅልውላው ቁጠባ ብዙሓት ስድራቤታት ብሪጣንያ ደቀን ብግቡእ ከዕብያ ኣብ ዘይክኣላሉ ደረጃ በጺሐን ኣለዋ። ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ድኽነት ድማ ካብቲ ኣብ 1960’ታት ዝነበረ ዝኸፍአ ኮይኑ ከምዘሎን ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ፍልልይ ካብ ናይ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኮይኑ ከምዝርከብን እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ብሪጣንያውያን ቈልዑ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝነብር እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ብድኽነት ዝሳቐዩ ሚልዮናት ቈልዑ ዝነብሩላ ብሪጣንያ

ኣብ ብሪጣንያ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ተባሂሉ ዝጥቀስ 1969 ከይተረፈ ብዝሒ

ናይቶም ብድኽነት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ቈልዑ 2 ሚልዮን’ዩ ነይሩ። ምስዚ ናይዚ ሕጂ ብምንጽጻር ድማ እቲ ናይ 60’ታት መነባብሮ ዝሓሸ ምንባሩ ድማ ተንተንቲ ገሊጾም።እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ

ኣብ ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ተሓቲሙ ከምዝተዘርገሐ ተፈሊጡ። ተፈጢሩ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ብፍላይ ኣብ ቈልዑ ዘይሃስስ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እታ ጋዜጣ ተነጽር።ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተኸስተ

ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ መንጎ ደቂ ድኻታትን ደቂ ርኹባትን ዝፍጠር ፍልልይ እናዓበየ ምምጽኡ ድማ ኣብ ጸጥታ’ታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ኣብ ኣየርላንድ ከተማ ዳብሊን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ጎሓፍ (ቢዶኒ) ሬሳ ናይ ሓደ ሰብ ከምዝተረኽበ ፖሊስ’ታ ከተማ ሓቢሩ።ኣባላት ፖሊስ፡ ምስቲ ሬሳ ንዝጸንሐ

ማሕፉዳ ብምፍታሽ፡ መንነት ናይቲ ግዳይ ከጻርይዎ ከምዝኸኣሉን ንኣባላት ስድራቤት

ኣየርላንድ፡ ኣብ መዋህለሊ ጎሓፍ ዝተረኽበ ሬሳ

ከረክብዎ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉን ገሊጾም።እቲ ግዳይ ሀንሪክ ፒዮትሮውስኪ

ዝተባህለ ወዲ 43 ዓመት ፖላንዳዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ብዘይ ገዛ ኣብ ጎደናታት ዳብሊን ከምዝነብር’ዩ ተገሊጹ።ንሱ፡ ካብ ክቱር ዛሕሊ ንምድሓን ኣብቲ

ቢዶኒ ኣትዩ ድሕሪ ምድቃሱ፡ ብጎሓፍ ተደብዲቡ ህይወቱ ሓሊፋ ክትከውን ከምዝኽእል’ዮም ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ዝግምቱ። ኣብ ኣየርላንድ ልዕሊ 120 ሽሕ ስደተኛታት ፖላንድ ከምዘለዉ ይፍለጥ።እቶም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ

ናብ ዳብሊን ዝጓዓዙ ስደተኛታት፡ ስራሕ ክረኽቡ ስለዘይክእሉ፡ ብዘይ መግብን መጽለሊን ኣብ ሕሱም መነባብሮ ክወድቁ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረ-ሰናይ የረድኡ።

ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተዋፈረ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት’ታ ሃገር ተዂሲ ብምኽፋት ቅትለት ከምዝፈጸመ ተሓቢሩ። በቲ ኣብ ከተማ ጎማ ዝተፈጸመ

ግጭት፡ ብውሕዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ምሟቶም ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። ሓያሎ ነበርቲ ናይታ ከተማ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ክኹንንዎ ተራእዮም። እንተኾነ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም፡

ብኣባላቱ ዝተቐትለ ሰብ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። *** ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ተቓወምቲ

ሰልፊ ቱኒዝያ፡ ኣብ ጎደናታት ቱኒዝ ወጺኦም። እቶም ሰልፈኛታት እስላማዊ

ዜና ብሓጺሩ መንግስቲ’ታ ሃገር ካብ ስልጣን ክወርድ ብምጽዋዕ’ዮም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም። ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መራሕቲ ተቓዋሚ

ሰልፊ ዝኾነ ፖለቲከኛ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ከይጎሃሃር ተሰጊኡ ምጽንሑ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። *** ኣብ ኢራን ብቕትለት፡ ዝምታን ዓመጽን

ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ 21 ሰባት ንማሕነቕቲ ተፈሪዶም። ካብኣቶም እቶም 12 ኣብ ከተማ ተሄራን ክሕነቑ እንከለዉ፡ ሸውዓተ ኣብ ካልኣይቲ ከተማ ማሻድ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ’ታ ሃገር ኣብ ቅድሚ እኩብ ህዝቢ ተሓኒቖም። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣብ ኢራን

ገበነኛታት ዝተባህሉ 151 ሰባት ብማሕነቕቲ ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። ***

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኮሊን ፓወል፡ በቲ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ትራይቮን ማርቲን ብፖሊስ ዝተፈጸመ ቅትለትን ስዒቡ ዝተዋህበ ፍርድን ኣተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ጸሊም ኣመሪካዊ ፖለቲከኛ፡

ኣብ ኣመሪካ ገና ዓሌታዊ ፍልልይ ከምዘይተረፈ’ዩ ዝገልጽ። ኣብነት ናይዚ ድማ ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ትራይቮን ማርቲን ዝተዋህበ ውሳነ ምዃኑ ገሊጹ። ጸሊም ኣመሪካዊ ትራይቮን ብሓደ

ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ኣመሪካ ተቐቲሉ ክንሱ፡ እቲ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ናጻ ከምዝተፈርደ ይዝከር። ኮሊን ፓወል፡ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ተቓላሳይ መሰል ጸለምቲ ኣመሪካውያን ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ተረኺቡ፡ ኣብታ ሃገር ገና ኣድልዎን ፍልልይን ከምዘይተወገደ’ዩ ኣረዲኡ።

ኣብ ሰሜናዊ ኣውስትራልያ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኣብ ደንደስ ሜሪ ሪቨር ዝተባህለ ቀላይ ኮይኖም ዕለተ-ልደት ብጻዮም ይጽንብሉ ነበሩ። እቲ ጽንብል፡ ብብልዒ፡ መስተን ሳዕስዒትን ዝተሰነየ ነበረ። ኣብቲ ደንደስ ቀላይ “ካብ ሓራግጽ ተጠንቀቑ” ዝብል ምልክት ተተኺሉ ነይሩ። እቲ ጽንብል ኣዝዩ ብዝዓመረ፡ ወዲ 26 ዓመት ሸን ኮል ምስ ሓደ ብጻዩ ብምዃን፡ ነቲ መጠንቀቕታ ጥሒሶም ክሕንብሱ ደለዩ። ካብ ብጾቶም ንዝቐረበሎም ምሕጽንታ ነጺጎም ድማ ዘዘሊሎም ናብቲ ቀላይ ተደርገሙ። ክልቲኦም ሓንበስቲ ነቲ ቀላይ ቆሪጾም ናብቲ ማዕዶ ዝነበረ ደንደስ ብሰላም በጺሖም። ናብቲ ዝተበገስሉ ደንደስ እናተመልሱ እንከለዉ ግን በዚ መጸ ከይበልዎ ኣድብዩ ዝጸንሐ ሓርገጽ ሃደኖም። ብኡ ንብኡ ድማ ንሓዲኦም ኣርኪቡ፡ ኣብ ኣፉ ቀርቂርዎ ተመርቀፈ። “ብጻይና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብሓርገጽ ክብላዕ ርኢና” ይብል ኣብቲ ድግስ ዝነበረ

ሓደ መንእሰይ። ኣባላት ፖሊስ ተጸዊዖም ክሳብ ዝመጹ እቲ ገዚፍ ሓርገጽ ዝሓዘ ሒዙ ተሸርበ። “እዚ መንእሰይ ብሰንኪ ሸለልትነት’ዩ ህይወቱ ከም ዋዛ ብከንቱ ኣጥፊኡዋ” ይብል ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ። “ኩሎም መንእሰያት ካብዚ ትራጀዲ ትምህርቲ ክቐስሙ ይግባእ” ብምባል ድማ ይመክር።