16
መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 1 ኣብ ህይወትና ንእግዚአብሔር ክንረኽቦ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ንጸሊ፧ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩማቴ. 66 ከበርኩም ምእመናን መድኃኔ ዓለም ብመጀመርታ እንቃዕ ናብዚ ሓድሽ ዓመተ 2017 አብጸሓና እንዳበልኩም: ነፍሲ ወከፍ ምእመን ነዚ ሓድሽ ዓመትዚ እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገሩለይ እዩሞ፥ ስሙ ቕዱስ ኢዩእንዳበልና ምስ ማሪያም ጉዑዞና ክንጅምር፡ ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዓመትድማ አብ ጸሎትን አስተንትኖ: ቃል አምላኽን ክንድህብ እዕድም። (ናብ 3ይ ገጽ ይቕጽል) መውጽኢ (1) መልእኽቲ ቆሞስ (2) መኣዲ ቃለ-እግዚኣብሔር (3) ብሥራት (ደሃይ) (4) መደብ ቁምስና (5) ቤት ትምህርቲ ሰንበት Medhanie Alem Sunday School (MASS) መልእኽቲ ቆሞስ

th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

  • Upload
    others

  • View
    8

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 1

ኣብ ህይወትና ንእግዚአብሔር ክንረኽቦ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ንጸሊ፧

“ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ”። ማቴ. 6፡6

ዝከበርኩም ምእመናን መድኃኔ ዓለም ብመጀመርታ እንቃዕ ናብዚ ሓድሽ

ዓመተ 2017 አብጸሓና እንዳበልኩም: ነፍሲ ወከፍ ምእመን ነዚ ሓድሽ ዓመትዚ “እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገሩለይ እዩ’ሞ፥ ስሙ ቕዱስ ኢዩ” እንዳበልና ምስ ማሪያም ጉዑዞና ክንጅምር፡ ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዓመት’ዚ ድማ አብ ጸሎትን አስተንትኖ: ቃል አምላኽን ክንድህብ እዕድም።

(ናብ 3ይ ገጽ ይቕጽል)

መውጽኢ

(1) መልእኽቲ ቆሞስ

(2)

መኣዲ ቃለ-እግዚኣብሔር

(3) ብሥራት (ደሃይ)

(4)

መደብ ቁምስና

(5) ቤት ትምህርቲ ሰንበት Medhanie Alem Sunday School

(MASS)

መልእኽቲ ቆሞስ

Page 2: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 2

Important Parish Information

GENERAL GUIDELINES: Membership in Medhanie-Alem Parish should be done in a formal manner. All families are required to register by filling out their full

names and addresses on the Registration Form. These are available from the parish office, or at the back of the Church. The Catholic Church requires that

each member of a parish, to the extent allowed by his income, support the day-to-day running of the parish's pastoral activities.

SACRAMENTS and PASTORAL CARE

Baptisms: Please telephone your pastor at the office to make an appointment. Parents and Godparents required attending a class in preparation for the

celebration of this Sacrament. : Godparents please note - It is most important that you make sure your Godchildren are receiving proper religious training and

that they are going to Church and are enrolled in, and attend, religious education classes at their Church. You made a vow to this purpose at their Baptism.

Marriages: It is the policy of the Dioceses of Arlington that couples proposing to

marry must first contact, or see, a priest or deacon at least six months prior to the date on which they intend to marry. The Church desires to help couples

prepare a good foundation for a lifelong commitment to this sacred vocation of Marriage. Your pastor will make arrangements for you to attend Marriage

Preparation classes. All Catholics are bound to observe the laws of the Church concerning marriage.

Confessions: are heard on Sundays 2:00pm to 2:25 pm. before the start of the Divine Liturgy, and any other times by appointment.

Funerals: Contact your pastor at the parish office to make arrangements.

Hospital Visits: Notify the pastor if a family member is hospitalized.

Mass Intentions:(Stipend): $25.00. This is for Memorial Masses, thanksgivings,

or petitions

Contact Number: Aba. Hagos Tesfagabir (571) 598-9236 or (703) 978-8074

Page 3: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 3

መልእክቲ ቆሞስ

(ካብ ቀዳማይ ገጽ ዝቀጸለ)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ” ከምዝበለ ጸሎት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምስ እግዚአብሔር ዓሚቕ ርክብ: ዝምድና ንክህልወና ዝገቢር መሳሪሒ ኢዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደሽቲ ናይ ጸሎት አገባባት ክንምህዝ ከአ ወትሩ ክንጽዕር ይግበአና። ብርግጽ ብዙሓት ጸሎታት አብ ስርዓት አምልኾና፡ አብ በዓላትና፡ ብዙሕ ግዜ ከም ልምዲ እንጥቀመሎም ዓይነት ጽሎታት አለዉና። ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ከም ሓደ ምስ ሓደ ዓርክና እንገብሮ ርክብ ልዝብ፡ ምስ አቦ: አደ እንገብሮ ወግዒ ወይ ርክብ ክኸውን አለዎ። በዚ መንፈስ ምስ እንጽሊ እቲ ንደልዮ ካብ እግዚአብሔር አምላኽና ንረኽቦ፡ ይወሃበና፡ ንቕበል። ጸሎትና ከኣ ናይ ልምዲ ጸሎት ኮይኑ ኣይተርፍን። ከመይ ጌርና ንጸሊ

ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝተዋህበና ጸሎታት ክንደግሞ ከም ልምዲ እንወስዶ ውሑዳት አይኮናን። ንአብነት አቦና አብ ሰማይ ትነብር፥ ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም …. እቶም ቀንዲ ጽሎታት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽቡና እካ አንተኾኑ፡ አብዚ ነዞም ጸሎታት ክንጽሊ ከለና ከም ልምዲ

ከይንደግሞም ክንጥንቀቅ ይግበአና። ማለት አፋትና ነዞም ጸሎታት ክደግም እንከሎ አእምሮና ግና ካሊእ ሓሳባት ከይሓስብ። ንኣምላኽና ብመልሓስና ጥራይ ከይነኽብሮ አንታይ ደኣ ብኹልንተናና። ስለዚ ከመይ ጌርና ንጸሊ … ንዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንቕርብ እምበአር አድላዪ ይኸውን። ጸሎትና ካብ ውሽጢ ዘይኮነስ ብአፍና ጥራይ ምስ እንደግሞስ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና እንታይ ረብሓ አለዎ፧ ዕላማ ጸሎት ምስ እግዚአብሔር አቦና ምርኻብ ካብ ኮነ፡

ስለዚ ጸሎትና ብሓቂ ፍረ ንኽህልዎ ገዛእ ርእስና ንጸሎት ክንቅርብ አድላዩ ኮይኑ ይርከብ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል ማቴዎስ 6፡6 ከምዚ ኢሉ ክምህር ንረኽቦ፤ “ ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ” እናበለ ብኸመይን ከመይን ጌርና ክንጽሊ ከምዘለና ይምህር። እዚ ማለት አብ ጸሎት ብሓቂ ካብ ኩሉ ሓሳባትና ነጻ ኮይና ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ብምሉእ ሓሳብናን ቀልብናን ናብኡ ክንቀርብን ክነድህብን ከምዘለና ኢዩ። አበይ ንጸሊ፡ እንታይ ቃላት ንጥቀም፧

ሓደ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ ናይ ጸሎት ክህሉ አይክእልን ኢዩ። ማለት አብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ናይ መዓልታዊ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ንኽእል ኢና። አብዚ ክርደአና ዘለዎ ምጽላይ ማለት ከምቲ አቀድሚና ዝበልናዮ ምስ እግዚአብሔር ምዝራብ ፡ ምውጋዕ ኢዩ። “ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺረአዩ፥ አብ ናይ አይሁድ አባይቲ ጸሎትን፥ አብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸለኹም ከምአቶም አይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ንስኻ ግን ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥውር ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ። ማቴ.6፡5-7

እግዚአብሔር አብ ዝኮነ ቦታ ጸሎትና ይሰምዕ ኢዩ። ግና ጸሎትና አብ መገዲ ይኹን፤ አብ ካሊእ ዝኾነ ቦታ ብሰብ ምእንቲ ክንረአ ከይከውን ክንጥንቀቕ የዲሊ። ብርግጽ ጽምው ዝበለ ቦታ ምስ እግዚአብሔር፡ ከምቲ ዝድለ ክንራኸብ፡ ክንዛረብ ሓግዚ ኢዩ። እዚ ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ዝመስከሮ ኢዩ። ንእግዚአብሔር አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ዝኾነ ቦታን ሰዓትን ክንረኽቦን ክንዛረቦን ከምንኽእል ግና ክንአምንን ከይንዝንግዕን ይግበአና። ካብ ገዛና ወጺና ናብ ስራሕ ክንገዓዝ ከለና፡ ክንዛወር ከለና፡ አብ ዕረፍትና፡ ዕዳጋ ክንገቢር ከለና፡ ቅድሚ ምድቃስና ወዘተ ንአምላኽና ክንረኽቦ ከምንእኸል ምግንዛብ የድሊ። ብዙሕ ዘረባ አይድልን፡

Page 4: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 4

“ኣሕዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፣ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ” ማቴ.6:7 ሓጸርትን ቁሩባትን ጸሎትና ፍረ ክህልዎ ይገብሩ። ከምቲ ምስ ሓደ ዓርክና እንዛረቦ ከምኡ ምስ ፈጣሪና ክንዛረብ ይግበአና።

ንእግዚአብሔር ሓሳብና ሓጎስና ክነካፍሎ ይግበአና። ብዙሓት ካባና ንጸሎት ከም ሓደ ልመና፡ ሕቶ ጥራይ ጌርና ንሓስቦ ሰባት አለና። ጸሎትና ወግዕና ካብ ሕማምና ከሕውየና፥ አብ ሓዘና ከጸናንዓና፥ ካብ ገለ ፈተናታት ከድሕነና፥ ውላድ ንኽህበና ወዘተ። ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ክነዋግዕ ግና አብ ግዜ አድላይነትና ጥራይ አይኮነን። ርክብና ከምቲ ምስ አዕርኹትና፡ አቦታትና፡ አዴታትና፡ አሕዋትና እንገብሮ ርክብ ክኸውን አለዎ ካብ በልና፤ ሓዘናን ድልየትናን ጥራይ ዘይኮነ ሓጎስናን ዓወትናን ክነዘንትወሉውን ይግበአና።

በዚ ምኽንያት መጀመሪያ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ብዛዕባ መዓልታዊ ሕይወትና ክነዘንትወሉ ይግበአና። ብዛዕባ ሓጎስናን ድኻምነትናን ዓወትናን ወዘተ። ካብዚ ተበጊስና በቲ ዘሕዝን ዘጋነፈና ነገራት ንእግዚአብሔር ሓገዝ ክንልምኖ። በቲ ዝረኸብናዮ ሓጎስ፡ ዓወት ከአ “ ኦ አግዚኣብሔር ብምሉእ ልበይ ኣመስግነካ፡ ኩሉ ዝገበርካዮ ተኣምራታትውን ክነግር አየ” አንዳበልና ክነመስግኖ። መዝ።9:1

አብቲ ኣብ ሕይወትና እንወስዶ ስጉምትታት ከአ ምኽሩ ክልግሰልና ብትሕትና ክንሓቶ፥ ‘’ኦ አግዚኣብሔር ንቓላተይ ጽን በሎ” አንዳበልና ኽንጺሊ። በቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ከአ ምሕረቱ ክልግሰልና “ ኦ ኣምላኽ፣ ምእንቲ ዘለ ዓለማዊ ምሕረትካ ኢልካ ይቕረ በለለይ፡ ምእንቲ ዓቢይ ርሕራሔኻ ኢልካ ኸኣ ኣበሳይ ደምስስ” እንዳበልና ክንሓቶ ይግበአና። ዝከበርኩም ምእመናን ደብረ መድኃኔ ዓለም እዚ ግዜ እዚ፦ ንእግዚአብሔር አምላኽና እነመስግነሉ፤ ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት እምነታዊ ጉዑዞና እንምርምረሉ፤

ምስ ገዛእ ርእስናን - አምላኽናን - ሓውናን - ሓፍትናን ብዛዕባ ዘለና ርክብ ጸብጻብ እንገብረሉ፤ ነቲ ክርስቶስ ዘዳለዎ አፍደገ/መንገዲ ድሕነት ሲሒትና እንቶሎና፤ ናብቲ ቅኑዕ አፍደገ እንምለሰሉ፤ ነዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ከአ ብዝተሓደሰ መንፈስ፡ ብቁርጺ ፍቓድ ተዓጢቅና ንኽንጅምር እንብገሰሉ ግዜ እዩሞ ሃየ ንተዓጠቅ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!

ንሃገርናን ዓለምናን ብአማላድነት ኪዳነ ምኅረት፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና። ካብ ኩሉ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ተባህለን ተገብረን ካብ ምባል ሪሕቅና፤ አብቲ ናይ እግዚአብሔር ቅኑዕ መገዲ፤ ግላዊን ቁምስናዊን፡ መንፈሳዊ ዕብየትናን ክንሰርሕ ጸጋታቱ የብዘሓልና። እግዚአብሔር አብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ቁምስናዊ ጉዑዞና፤ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ቁምስና መድኃኔ ዓለም፡ ቁምስናና ንክዓቢን፤ ከምቲ ዝድለ አገልግሎቱ ንክህብን፤ ዘርአኽምዎ ተወፋይነትን፤ መስዋዕትን ከአ እግዚአብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ቁምስናናን ማሕበርናን ይባርከልና። ኣሜን!

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Page 5: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 5

ጸብጻብ ወፈያታት ሰናብቲ

ሕዳር

11/6/2016 $1,887.00 1/13/2016 $1,208.00 11/20/2016 $1,320.00 11/27/2016 $1,450.00

ታኅሣሥ

12/04/2016 $2,306.00 12/11/2016 $1,717.00 12/18/2016 $2,084.00 12/24/2016 $6018.00 Christmas Mass

መአዲ ቃለ - አግዚአብሔር ፍቅራት ሕዝበ አግዚአብሔር “ሰብ ብንጀራ ጥራይ አይነብርን” (ማቴ.4:4) እሞ ምእንትዚ ነቲ አቀዲሙ ዝወሃበና ንባባት ሰናብቲ ብጸሎትን አስተንትኖን ብምንባብ አብ መአዲ ቃል-አግዚአብሔር ክንዓቢ፡ ወትሩ ክንጽዕር ይግበአና። አንሆ አምበአር ንባባት ሰናብቲ ወርሒ ኅዳርን ታሕሣሥን አስዒብና ነቅርበልኩም፦

ንባባት ጥሪ 2017 01 ጥሪ 2017 ዕብ. 13:16-25

1ጴጥ. 2:21-25 ግ.ሓ. 11:22-03 ዮሓ. 10:1-22 06 ጥሪ 2017 ዘልደት - ቅዳሴ ምሸት ገላ. 4:1-12 1ዮሓ. 4:9-21 ግ.ሓ. 13:16-22 ሉቃ. 2:1-21 15 ጥሪ 2017 ገላ. 1:1-10 1ዮሓ. 3:18-24 ግ.ሓ. 15:22-36 ማቴ. 2:1-13

22 ጥሪ 2017 ቲቶ. 3:4-8 1ዮሓ. 5:5-13 ግ.ሓ. 10:34-39 ዮሓ. 1:29-35 29 ጥሪ 2017 ሮሜ. 9:1-6 1ዮሓ. 3:9-ፍ ግ.ሓ. 11:2-15 ሉቃ. 8:41-51 ንባባት የካቲት 2017 05 የካቲት 2017 ዕብ. 3:1-13 ይሁ. 3:14-ፍ ግ.ሓ. 13:4-14 ዮሓ. 6:27-39 12 የካቲት 2017 1ጢሞ. 3:4-ፍ 2ጴጥ. 1-5 ግ.ሓ. 2:44-ፍ ማቴ. 18:15-22

Page 6: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 6

19 የካቲት 2017 ቲቶ. 2:11-25 1ዮሓ. 3:3-14 ግ.ሓ. 2:38-42 ማቴ. 6:1-19 26 የካቲት 2017 ሮሜ. 2:1-7 ያዕ. 1:13-22 ግ.ሓ. 25:1-13 ማቴ. 6:18-ፍ

ብሥራት (ደሃይ) ሱባኤ መቀራረቢ ልደተ ክርስቶስ ተኻይዱ

ሱባኤ ንመቀራረቢ በዓለ ልደት ብ11

ታኅሣሥ 2017 ብአባ ሙሴ ስታዊ ተመሪሑ ተፈጺሙ። አባ ሙሴ አብ መእተዊ ናይ መዓልቱ አስተንትንኦም፤ በዓለ ልደት ንምብዓል ምቅርራብ ከምዘድሊ ብምግላጽ፡ ኢየሱስ ሽግርና ክፈትሕ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ፤ ግና በዘይበአና ሽግርና ክፈትሕ ከምዘይክእል ገሊጾም። 2ቆሮ.13:5 ብምጥቃስ ከአ አብ እምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ንምርዳእ አብ ንገዛእ ርእስና ንመርምር ብምባል፤

ነፍሲ ወከፍና አብ እምነተይዶ ይመላለስ አለኹ? አብ መን ኢየከ ዝአምን? ወይ ንመን ኢየ ዝአምን? እንዳበልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ይግበአና ብምባል ተማሕጺኖም። አብ ኢየሱስ ፍጹም አምላኽ ፍጹም ሰብ እንተኮይነ ዝአምን፥ እሞ

ንኢየሱስ እፈልጦዶ? ወይ ንኽፈልጦ ይጽዕርዶ? ከመይ ገረከ ይፈልጦ?።

ኢየሱስ ትማልን ሎምን ኩሉ ሳዕ ህልው እዩ፡ ነቲ ዝብሎ ዝሰርሕን ዝፍጽምን ኢዩ። ደቂ ሰባት ግና ኩሉ ግዜ ፍርሓት አለና ይብሉ። ግዚያዊ ፍርሃት፡ ፍርሃት ናይ መጻኢ ሕይወትና፡ ንሻቀል፡ ንጭነቅ ..... ስለዚ እዚ ሱባኤ እዚ ነዚ ኩሉ ሲዒርና ናብ ኢየሱስ ከብጸሓና አለዎ። ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ንሓዋሪያቱ ከምዝተናገረ ከአ ይትቕሱ። “ልብኹም አይሸበር፤ ብአምላኽ፤ ብአምላኽ እመኑ፥ ብአይውን እመኑ። ዮሓ.14:1 አብ ፍርሂ፡ ጭንቀት እንወድቅ እምነት ስለዝጎደለና ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ለይትን መዓልትን ምሳን ይጋዓዚዩ። “ አቦይን አደይን እካ እንተ ጠንጠኑኒ፥ ንስኻ፥ ኦ እግዚአብሔር፥ ትእርንበኒ ኢኻ”። መዝ. 27:10 ስለዚ አምላኽና እሙን ዓርኪ ኢዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አዕርኽተይ ኢኻትኩም ይብለና። ዘይጠልም ናይ ደም ቃል ኪዳን ይአስረልና። ንኹሉ ብማዕረ ዘፍቅር እሙን ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ። እዚ ግዜ እዚ ዘመነ ምጽአት ይበሃል። ምጽአት ቅድሚ ዓመታት ሰብ ብምኻን አብ መወዳእታ ዓለም ጎይታ ኮይኑ ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ንነፍሲ ወከፍና ክፈርድ ክመጽእ ምካኑ: ከምኡውን አብ መዓልታዊ ጉዑዞና ንነፍሲ ወከፍና ንምድኅን ይመጽእ።

ስለዚ በዚ ግዜ እዚ ብግሊ ክበጽሓና ጸጋ ክሽልመና ይመጽእ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንአምላኽ ግዜ ክንህቦ ይግበአና። ኤርምያስ

Page 7: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 7

ብምጥቃስ ከአ እዚ ግዜ እዚ ግዜ ንስሓ ግዜ ምቅርራብ ኢዩ ይብሉ።

ቀጺሎም ቅዱስ አጎስጢኖስ “ ዶንግየ አፍቂረካ ጎይታይ፤ ንስኻ አብ ውሽጠይ አነ ግና አብ ደገ ነበርኩ፡ ጸማም እዝኒ ከይከውን ጸዋዕካንን ተንከፍካንን፤ ንስኻ ተንከፍካኒሞ አነውን ብአኻ ተቃጸልኩ። ልብና ንዓካ ፈጠርካዮ፥ ንዓኻ ከይረኸበ ከአ ዕረፍቲ የብሉን። እናበለ ይጽሊ ብምባል፤ ሎሚ ንጎይታናን አምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንፈልጦ ክነፍቅሮ ክንዕጠቅ አለና ይብሉ።

ቀጺሎም ቅ. አጎስጢኖስ ብሕጽር ዝበለ ንኽርስቶስ አብ ሕይወቱ አብ ሰለስተ ነገራት ከምዝረኸቦ ይዛረቡ። መጀመሪያ አብ ጸሎት፡ ስለዚ ቃል እግዚአብሔር መምርሒ ሕይወትና ክከውን ይግብኦ። ምስ ጸለየ መገዲ ንስሓ፤ መገዲ ድሕነት ተገልጸሉ።

ካልአይ ቅ. አጎስጢኖስ ንመድኃኒና

ኢየሱስ ክርስቶስ አበይ ረኺብዎ? አብ ንስሓ። ተነስሑ ብወንጌል ከአ እመኑ። ሳልሳይ ቅ. አጎስጢኖስ አብ ቅዱስ ቁርባ ረኺብዎ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኹማት ምኻና ፈሊጡ አብቲ ጽንኩር ምድራዊ ጉዕዝኡ ነዞም ምሥጢራት ሓደገልና። ቅ.አጎስጢኖስ አብ ጸሎት፤ ቀጺሉ ብምሥጢረ ንስሓን፤ ቅዱስ ቁርባን ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስረኸቦ፥ “ አበይ ተሓቢእካኒ ነበርካ” እናበለ ክድነቕ ንርእዮ ብምባል ናይ መዓልቱ አስተንትኖ ይዛዝሙ።

ንአባ ሙሴ ስለ ኩሉ ነገር ምስጋናና ነቕርብ፤ እግዚአብሔር አገልግሎቶም ይባርኽን ይቐድስን።

ስነ- ስርዓት ቀብሪ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ

ስነ ስርዓት ቀብሪ እዞም ኣብ መበል 91

ዕድሜኦም፣ 32 ዓመታት ብክህነት፣ 35 ዓመታት ከኣ ብጵጵስና ብጠቕላላ.ን67 ዓመታት ንቤተ ክርስትያን ዝተላእኩ ልሂቅ ጳጳስ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ሓሙስ ታሕሣሥ 1, 2016 ንግሆ ሰዓት 7

ምስ ዓረፉ፣ ክቡር ሬሳኦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ተቀመጠ’ሞ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ኣብኡ ክጽልዩ ወዒሉ።

ዓርቢ ማህሌት ድሕሪ

ተቆይሙ፣ ኩሎም ብጹኣን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ 40 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ መስዋእተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ዓሪጉ። ስዒቡ መደብ መግለጺ ሓዘን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ናይ ዲፕሎማሲ ኣባላትን ስርዓት ፊርማ ሓዘን ተገይሩ። ድሕሪ ቀትሪ ክቡር ሬሳኦም ብጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ተሰኒዩ ናብ ናይ ትውልዲ ዓዶም ዓዲ ዜኑ ዞባ ደቡብ ኣምሪሑ። ኣብ ዓዲ ዜኑ ሓዲሩ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ካልእ ኩሉ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓትን ተፈጺሙሎም ልክዕ ፍሪቂ መዓልቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ብዙሕ ሕዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዶም ዓዲ ዜኑ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ቁምስናና ደብረ መድኃኔ ዓለም ሰበኻ

ኣርሊንግቶን ከኣ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፤ ሰንበት ታሕሣሥ 4, 2016 ናይ ፍትሓት ቅዳሴ: ቤተሰቦምን ምሉእ ምእመንን ኣብ ዝተረክብሉ ተፈጺሙ።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ሥርዓተ ግእዝ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ዝተስምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንጎይታና

Page 8: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 8

ኣቡነ ዘካርያስ ዮሃንስ ኣብ ሕቁፊ መድኃኔ ዓለም፡ ንቤተሰቦም ከኣ እቲ ንያዕቆብ ዘጸናንዐ እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ይሃቦም ንብል።

ልደተ ክርስቶስ 24 ታኅሣሥ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኸቢሩ

እቲ ሰዓት 9 ድ.ቀ ብቁመት ዝጀመረ በዓለ ልደት ፈረንጂ ብኽብሪ ተባዒሉ። ናይ ለብዘመን ልደተ ክርስቶስ ከምቶም ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 500 ዝኾኑ ምእመናን ዝተሳተፉዎ ኮይኑ፤ ብሓቂ መንፈስካ ዘሕድስ ምሽትን በዓልን ነይሩ።

አብዚ በዓል እዚ አባ ሓጎስ እንቃዕ ነዚ በዓለ ልደቱ አብጸሓና ድሕሪ ምባል፡ ብፍሉይ መገዲ እግዚአብሔር ነዚ በዓል እዚ ክንብዕል ዝለዘብቀዓና ክነመስግኖ ይግበአና ብምባል ድሕሪ ተማሕጺኖም፡ ካብቲ ናይ መዓልቱ ንባባብ ወንጌል “ሉቃ. 2፡1-21 ብምብጋስ፡ ነቲ ቅድሚ ኣሻሓት ዓመታት ዝተወልደ ክርስቶስ ሎሚ በቲ እንፍጽሞ ስርዓት ኣምልኾና ብፍላይ ኣብቲ እንሰርዖ ቅዱስ ቁርባን ኣብ መንጎና ህልው ንገብሮ ኢሎም። ግዜኡ ምስበጽሐ ግን፡ “ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፡ ንሕናውን ናይ ውልድነት መሰል ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ: ኣብ ትሕቲ ሕግውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ። እዚ ኸኣ እቲ ነቦታትና ነብርሃምን ንዘርኡን ዝኣተወጀሎም ቃል በዚ ልደት እዚ ክፍጸም ንረኽቦ።

የውሃንስ ..”እቲ ቃል ስጋ ኮነ፤ ጸጋን ጽድቅን መሊኡዎ፤ ኣብ ምንጎና ሓደረ፤ ሓደ ወዱ ነቡኡ ዝኾነ: መጠን ዚረኸቦ ክብሪ ዚኣኽል ክብሩ ረአና … ንሕና ኹልና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ

ጸጋ ተቐበልና። ኣብቲ ናይ ጸሎት ሃይማኖትውን ወትሩ እንደግሞ … ንአና ንደቂ ሰብ: ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ከም ዝተሰግወ፤ ሰብውን ከም ዝኾነ ኢልና ንጽልን ንደግምን።

እቲ ነብያት እተነበይሉ ..... ድንግል ክትወልድ፡ ስሙ ከአ አማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ ዝብል .... ቃል አምላኽ እቲ ንማሪያም ዝተዋህበ ቃል ብስራት፡ “አነ ሰብአይ ዘይፈልጥስ፤ እዚ ነገር እዚ ደአ ከመይ ኢሉ ኪኸውን” እዩ፧ ንዝብል ናይ ማሪያም ሕቶ፡ ዝተዋህበ መለኮታዊ ምላሽ፥ ማለት እቲ ዝውለድ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ምስተገልጻ ... ከምቲ አብ አብ ናይ ሎሚ ምሸት ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ፡ ግዜኡ ምስ በጽሐ፤ አምላኽ ነቶም አብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ሓጢአት ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፤ ንሕናውን ናይ ውልድነት ሥልጣን/ መሰል... ውርሻ ምእንቲ ኽንረክብ፤ ነቲ ሓደ ወዱ ናባና ለአኾ።

ስለዚ እግዚኣብሔር ንወድሰብ ናብቲ

መሰረቱ .... ንምላስን .. ንምድሓንን .. ምእንቲ ካሕሳ ሓጥያትና ኣምላኽ ሰብ ኮነ ኢሎም። ናብ ዓለም መጸ .. ስጋና ለበሰ፡ ብኣኡ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ። በዚ ኸኣ ኣሕዋት ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባና ተገልጸ ። 1የው. 4:9

ቀጺሎም ነዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘለና ልደት፡ ወይ ክነብዕል ከለና መጀመሪያ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝገበረልና ጸጋ ክነመስግንን ክንውድስን፡ ምኽንያቱ ንሱ ከምቲ ማሪያም ዝበለቶ አብ ሕይወትና እግዚአብሔር ዓበይቲ ነገራት ገሩ ኢዩ ይብሉ። ንሱ ኣምላኽ እካ እንተኾነ ነቲ ኹሉ ኣምልኽነቱ ብምግዳፍ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ብምላድ … ሰብ ብምኻን፤ ንዓለምና ድሕነት ዘበሰረላ መዓልቲ.. ንነፍሲ ወከፍና እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ ዝገለጸላ መዓልቲን ዕለትን ኢያ፡ ብምባል ነዛ መዓልቲ እዛ እናዘከርና ንአምላኽና ክነመስግን ይግበአና ይብሉ።

ብተወሳኺ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሎምውን ክርስቶስ ጎይታ ኣባይን ኣባኹምን ከዕርፍን፡ ክውለድን ወይ ክንጸግን ከምዝኽእል ምርዳእ

Page 9: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 9

የድሊ፡ እንናበሉ ሎሚውን ንሕና ነዚ መድኅን እዚ ልባትና ክንኸፍተሉ ይላበዉ። ቀጺሎም ዮውሃንስ … ሎሚውን ንነፍሲ ወከፍና ከምዚ እንዳበለ የሰም ዓልና አሎ ፦ “ብዛዕባቲ ካብ መጀመሪያ ዝነበረ፤ ብንሕና ዝሰማዕናዮ፤ ብዕይንትና ዝረኣናዮ ዝጠመትናዮ፤ በኣእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣለና”።

ሎሚውን እዚ ናይ የውሓንስ ቃል ሕይወት እዚ ኣባይን ኣባኹምን ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ክረክብ የድሊ እንዳበሉ ይምሕጸኑ። ቃል ኣምላኽ ዝብለና .. ቤተክርስቲያና .. ትብለና ክንሰምዕ። ሎሚ ቃል እግዚኣብሔር፤ ቃል ሕይወት፤ ቦታ ሲኢኑ ክፍአትን ንዓይ ይጥዓመንን፡ ዓመጽን ... አብ መንጎና ነጊሱ ኣብ ዘለወሉ ጊዜ ….. እዞም ኣብ ክርስቶስ እንኣምን .. ብሓቂ ክነስተንትንን ክንጽልን ክንበርከኽን ይግበአና ኢሎም።

ናይ ሕውነትን ናይ ፍቕርን ዕርቅን

ምትሕግጋዝን ... ባሕሪ ክነጥሪ፤ ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ “እቲ አብ ክርስቶስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባን ክነግስ” ይግብኦ ብምባል አብ መጨረሻ በዚ ግዜ እዚ ክንልወጥ ሓድሽ ሕይወት ክንጅምር ቁርጺ ፍቃድ ክንገብር ይግበአና ብምባል ናይ መዓልቱ አስተንትኖ ዛዚሞም። ድሕሪኡ መነሰያት ደቃትና ብመዝሙር ምስጋና ድሕሪ አቕሪቦም ቅዳሴ ቀጺሉ።

አብ መጨረሻ ብተመሃርቲ ትምህረተ ክርስቶስ ደቃትና ንልደት ዝርኢ ምርኢት ድሕሪ አቕሪቦም

ብብራኬን መዝሙርን መስዋዕተ ቅዳሴና ተዛዚሙ። ንኹሎም መንእሰያትና እግዚአብሔር ጸግኡ የብዘሓሎም፡ ከምኡውን ንኹሎም መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ፡ ደናግልና ንኩሉ

ነቲ ዝግብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ እግዚአብሔር ጻምኦም ይኽፈሎም። ከምቲ ልደት ፈረንጂ ብድምቅ ዝበለ ዘብዓልናዮ፡ ልደት ናይ ግእዝ ከኣ ጥሪ 6, 2017 ሰዓት 8:30 ብቁመት ጀሚሩ፡ ብዉዕዉዕ መንፈስን መዝሙርን ተሰንዩ ድሙቅ ቅዳሴ ብምዕራግ ተጸንቢሉ። ንክልቲኡ በዓላት ዝርኢ ስእልታት ኣብ መወዳእታ ገጽ ተመልከቱ።

እግዚአብሔር ዓቢ ነገር ጌሩልና ኢዩ እሞ ዝተመስገነ ይኹን። አሜን!

መደብ ቁምስና

ወግዓዊ መደባት ብክፍሊ ስርዓት ኣምልኾን ክፍሊ መዕበያን ስብከተ ወንጌልን

መጀመሪያ ሰንበት፡ ናይ ወርሒ ሰዓት 2:00pm ዝጅምር ጸሎተ መቕጸሪያ

ካልኣይ ሰንበት ወትሩ ናብ መሎከታዊ ምሕረት ዚድገም መቕጸሪያ ኣለና ሰዓት 2:00pm

ሳልሳይ ሰንበት ሱባኤን ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን (መዝገበ ሃይማኖት) ወርሓዊ ኑዛዜን፡ ሰዓት 12:00pm ኣብ ኣዳራሽ ይጅምር።

ራብዓይ ሰንበት፡ ስግደት ኣብ ቁዱስ ቁርባን ሰዓት 2:00pm

Page 10: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 10

ዓመታዊ በዓላትን ንጥፈታትን ቁምስና መድኃኔ ዓለም 2017 ጥሪ / January 2017

15 ጥሪ / January 15th ሓፈሻዊ አኼባ ምእመናን መድኃኔ ዓለም ድሕሪ ቅዳሴ General Meeting of Medhanie Alem Parishioner’s 22ጥሪ / January 22nd The Epiphany of the Lord ቅዳሴ በዓለ ጥምቀት ሰዓት፡ 2:00 ድ.ቀ

የካቲት/ February 2017 12 የካቲት / February 12th ምርጫ ሓደሽቲ ቤት ምኽሪ General Election of parish council

26 የካቲት/ February 26th ሱባኤ መቀራረቢ ትንሣኤ መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓት፡ 10:30 Retreat in Preparation of Ester

መጋቢት/March 2017 5 መጋቢት/ March 5th ሓድሽ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ስርሑ ይጅምር

Initiation of New Parish Council 18 መጋቢት/ March 18th ምምጻእ አቡነ ፍቕረማሪያም ሓጎስ ናብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ካቶሊካዊ ሥርዓት ግዕዝ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሰበኻ አርሊንግቶን

19 መጋቢት/ March 19th ቅብአተ ሜሮን ደቃትና ብአቡነ ፍቅረማሪያም ሓጎስ አብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ቨርጂኒያ Confirmation by Abune Fikremariaam Hagos

ብተወሳኺ ን26 መጋቢት / March 26th መስዋዕተ ቅዳሴ ብአቡነ ፍቕረማሪያም ሓጎስ ድሕሪ ቅዳሴ ከኣ ርክብ ምስ ምእመናን ክገብሩ ትጽቢት ይግበር

ሚያዚያ/April 2017 9 ሚያዚያ/April 9th በዓለ ሆሣዕና/Palm Sunday ቅዳሴ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ሰዓት፡ 2 ድ.ቀ

13 ሚያዚያ/April 13th ጸሎተ ሓሙስ/Holy Thursday ሕጽበት እግሪ ቅዳሴ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሰዓት፡ 6፡00

14 ሚያዚያ/April 14th ዓርቢ ስቅለት/Good Friday ናይ ስግደት መዓልቲ ቦታ፡ ኣዳራሽ ሰዓት፡ 2 ድ.ቀ ይጅምር 15 ሚያዚያ/April 15th ትንሣኤ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ/ Easter Resurrection of the Lord ቅዳሴ ቀዳም ምሸት/ vigil Mass saturday ቦታ፡ GYM ሰዓት/Time ፡ 9 ድ.ቀ 23 ሚያዚያ/April 23rd ዳግማይ ትንሣኤ/ 2nd Sunday of Easter ዓመታዊ በዓለ ማሕበር ሰብ ኤማውስ

Page 11: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 11

ግንቦት/May 2017 21 ግንቦት/ May 21st ዓመታዊ በዓለ ማሪያም ደዓሪት ሰዓት፡ 10፡30 ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ Annual Feast of Mariam Dearit 28 ግንቦት/May 28th ዕርገት ሰነ/June 2017

3 ሰነ/June 3rd ዓመታዊ በዓለ መድኃኔ ዓለም ቅዳሴ፡ ቀዳም ንግሆ Annual Medhanie Alem Feast 4 ሰነ/June 4th ጰራቅሊጦስ በዓለ ሓምሳ

ነሓሰ/August 2017 7ነሓሰ - 19 ነሓሰ ጾመ ፍልሰታ (ምህለላ) 20 ነሓሰ/August 20th

በዓለ ፍልሰታን ዓመታዊ በዓለ ኪዳነ ምኅረትን ሰዓት፡ 10፡30 ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ Assumption of the Virginia Mary & Annual Feast of kidane Mihret

Teleconference Medhanie Alem geez Rigt Eritrean Catholic

Community Diocese of Arlington

ክልተ ግዜ አብ ወርሒ ወትሩ ሓሙስ ሓሙስ ሰዓት/Time = 9:00 pm

Conference Dial in # 641-715-3610 Participant access code: 915625

UPCOMING SCHEDULE

January 12, 2017

January 26, 2017

February 9, 2017

February 23, 2017

Page 12: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 12

ዕንዱየ ዕንዱ ወይዚ ዕንዱ

ካብ ሰማይ ወሪዱ ምሳና ክነብር ፈቒዱ

ወዮ ቃል ዝነበረ ነጊዱ ስጋና ለበሰ ወልዱ

ክመርሓና መንገዲ ዓዱ ኣስተውዕሉ ኣንቱም እትኸዱ

ሓጎስ ኣሎዎ `ቲ መንገዱ ምሕረት እዩ `ቲ ፍርዱ

በረኸት መሊኡ `ቲ ዓውዱ ሽሕኳ ተጸበበ መንገዱ

ዘይንቅነቅ ጹኑዕዩ እቲ ዓንዱ ደገታት ሲኦል እንተ ኣንገድጎዱ

ዝገብሩዎ ነይብሎም ዕንዱ እንዲዩ ተወሊዱ።

ምእንታና ንሱ ተዋሪዱ ሞይቱ:ተንሲኡ ናብ ሶኦል ወሪዱ ንሓይልታት እከይ ሲዒሩ ኣዋሪዱ በለና ብመንገደይ ናብ ኣቦይ ኪዱ ይጽበሎ… ፍስሓ ወሓሴተ ኣዋዲዱ

ኣሕዋተየ ንቀበሎ ንዕንዱ ንነሳሕ ልብና ነጻዕዱ

መታን ክሕሸና ብቀንዱ ሂወትና ክሕደስ ብርሃን ከነማዕዱ።

ርሑስ ልደተ ክርስቶስ ይግበረልና እየሱስ ሕጻን ይወለድ ኣብ ልብና

የራኽበና ጽባሕ ኣብ ቤተክርስትያና ክንዝምረሉ ኢና; ንዕንዱ ሓውና ብኸበሮ መሰንቆ ብጥዑም ቃና መታን ክውለድ ኣብ ልባትና።

ሓውኹም ፍቅረ ዮሃንስ።

Page 13: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 13

መልእኽቲ ንበዓለ ልደት ካብ ሊቀ ጳጳሳት ዘበአስመራ (ኤርትራ) ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም

“ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” (ማር 8፡29)

ኣብ ንእስነትና፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክንመሃር ከሎና፡

“ምሥጢረ ሥጋዌ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል

መሠረታዊ ሕቶ፣ ብሓጺሩ፡ “ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ

ኮነ ማለት እዩ”፣ ወይ ከኣ ብንውሕ ዝበለ ኣገባብ፣

“ወዲ ኣምላኽ ምእንታና ምእንቲ ድኅነትናን ቢሉ ኣብ

ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። እዚ

ማለት ድማ ንኣና ንኃጢኣተይናታት ምስ ኣምላኽ

ከተዓርቕ፣ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጸልና፣

ናይ ቅድስና ኣርኣያ ኪኾነና፣ ‘ተሳተፍቲ መለኮታዊ

ባህርዩ’ ምእንቲ ክንከውን (2ጴጥ 1፡4)) ክርስቶስ

ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ” (ጥርኑፍ መዝገበ ሃይማኖት ቊ

85) ብምባል ኢና እንምልሶ። እዚ መልስ’ዚ ብብዙኅ

ዘመናት ቤተክርስትያን ዘማዕበለቶን ዘዕሞቖቶን ናይ

እምነት መልሲ እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቂሳርያ ናይ

ፊሊጶስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? ዝብል

ንሓዋርያቱ ዘቕረበሎም ሕቶ ግን ቀሊል ኣይነበረን።

ሃንደበታዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ከቢድ ሕቶውን እዩ

ነቢሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ነቲ “ንስኻ ክርስቶስ

ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16)፡ ማለት፡

ቅቡእ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ብምባል መልሲ

ክህብ ዝፈተነ ቅዱስ ጴጥሮስ እኳ፡ “ስምዖን ወዲ ዮና

እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን

ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ” (ማቴ 16፡17) ቢሉ

እዩ ዝመለሰሉ። እምበኣር ብመሠረቱ፡ ንክርስቶስ

ምፍላጥ፡ ምሥጢር ትስብእቱን (ሰብ ምዃኑ)፡

ስብከቱን፡ ሕማማቱን፡ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን

ንምርዳእ እምበኣር ህያብ ኣምላኽ እምበር ፍረ ጻዕሪ

ሰብ ኣይኮነን ማለት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር

ኣብርሂሉኳ ሽዑ ነዚ ዝተጠቕሰ መልሲ እንተሃበ ኢየሱስ

ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ ሕማማትን ሞትን ምስ

ገለጸሉ ግን ፍልጠቱን ርድኢቱን ኣዝዩ ድሩት ከምዝነበረ

ኣረጋጊጹ እዩ። ፈሊጠ ኢሉ ንኢየሱስ “ ጐይታ የድኅንካ

እባ ደኣ፣ እዚ ነገር’ዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ እናበለውን

ኪገንሖ ጀመረ። ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ

‘ካባይ ረሓቕ ሰይጣን፣ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ

ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ’

በሎ” (ማቴ 16 22 23)።

በዓለ ልደት ከነብዕል ከሎና ነዚ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀ

መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሕቶ መልሲ ክንህብ ይግብኣና።

እቲ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ኣብ

ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፡ ሰብኣ ሰገል

ዝሰገዱሉ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ክቐትሎ ምስ ደለየ ማርያም

ኣዲኡን ዮሴፍ ጻድቕን ሒዞምዎ ንግብጺ ዝሃደመ ሕጻን

መን እዩ ትብልዎ? እንተንበሃልከ ከመይ ዝበለ መልሲ

ምሃብና?። ንእትፈልጦን እትጽበዮን ኢኻ እትቕበል

እምበር ንዘይትፈልጦ ንዘይተጸባኻዮ ጋሻ ክትቅበል

ትሽገር ኢኻ። እግዝእትነ ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከም

ትእዛዝ ኣጉስጦስ ቄሳር ክምዝገቡ ካብ ናዝሬት ናብ

Page 14: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 14

ቤተልሔም ምስ ተጓዕዙ፣ ዝፈልጥዎም ኣይረኸቡን። በዚ

ምኽንያት ከኣ “ንኣኹም ዝኸውን መኅደሪ ኣጋይሽ

የብልናን” ቢሎም መለሱሎም እሞ ካብቲ ከተማ

ወጺኦም ኣብ መብልዕ ማል ክጽግዑ ተገደዱ። ርእሰ

ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ፈጣሪ ሰማይን

ምድርን ዝሓድረሉ ቦታ ሰኣነ። ካብ ከተማ ወጻኢ

ተወሊዱ ካብ ከተማ ወጻኢ ድማ ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ

ሞተ። ወዮ ኢሳይያስ ነቢይ “ሕፃን ተወሊዱልና፣ ወዲ

ተዋሂቡና እዩ። ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ

ግሩም መኻሪ፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ ኣቦ፣

መስፍን ሰላም፣ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ” (ኢሳ 9፡6)

እናበለ ዝተነበየሉ ንጉሥ ደኣ ከመይ ኢሉ መኅደሪ ቦታ

ይስእን?

ቅዱስ ወንጌል፣ ንመድኃኔ ዓለም ብእምነትን ብክፉት

ልብን ካብ ዝተቐበልዎ ሰባት፣ ብፍላይ ፣ እኖና

እግዝእትነ ማርያም፣ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ዘካርያስ፡

ዮሓንስ መጥምቕ፣ ቅዱስ ዮሴፍ፣ እቶም ጓሶት

ቤተልሔም፣ ካብ ርሑቕ ኮኾብ መሪሑዎም ክሰግዱሉ

ዝመጹ ሰብኣ ሰገል፣ ኣብ ቤተ መቕድሰ

ዝተቐበልዎ ስምዖን ነቢይን፡ ሃናን ነቢይትን ይጠቅስ።

እዚኣቶም ልቦም ከፊቶም ብተስፋ ንመድኃኔ ዓለም

ዝጽበዩ ዝጸንሑ ምዃኖም ብተግባርን ብቃልን

መስኪሮም እዮም። ብፍላይ ስምዖን ነቢይ~ “ኦ ጐይታ

ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ

ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ከኣ እቲ

ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ

እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን፣ ንሕዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ

ዚገልጽ እዩ። ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ

ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ” (ሉቃ 2፡29-33)።

እቶም ብትሕትናን ብተስፋን ዝጽበዩ፡ ከም ማርያምን

ዮሴፍን፡ ከምቶም ኣብ በረኻ ዝሓድሩ ዝነበሩ ጓሶትን

ይግረሙ፡ የመስግኑ፡ ይሰግዱ፡ የምልኹ። ንሕናውን

ኣብዚ ልደተ ጥምቀት እነብዕለሉ ዘሎና ጊዜ፡ “ብሓቂዶ

ንክርስቶስ እፈልጦን እፈትዎን እኽተሎን እየ? ዝብል

መሰረታዊ ሕቶ ንርእስና ክንሓትት፣ ልብና ከፊትና

ብምግራምን ብታሕጓስን ክንቅበሎ ድልዋት ምዃናን

ዘይምዃናን ክንምርምር ንጽዋዕ ኣሎና። ሎሚውን

‘ንስኻኸ መን እዩ ትብለኒ? ንስኺኸ መን እዩ

ትብልኒ?’ ዚብል ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ።

ንፈልጦዶ ንኸውን? ነፍቕሮዶ ንኸውን? ፣ በቲ ንሱ

ዝደልዮ መንገዲዶ ንጓዓዝ ንኸውን? ኣብ ወንጌል ቅዱስ

ዮሓንስ፣ ቶማስ ሓዋርያ ንኢየሱስ “ጐይታ ናበይ

ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ነቲ መንገዲ ደኣ

ከመይ ገይርና ኢና እንፈልጦ?” ቢሉ ምስ ሓተቶ፣

ኢየሱስ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ

ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ

ፈሊጥኩምኒ እንተትኾኑስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ

ኔርኩም” (ዮሓ 14፡5-7)ዝብል ንጹር መልሲ ሃቦ።

ንወዲ ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮ፡ እንተፈሊጥናዮ፡

ንእግዚኣብሔር ኣቦና ንርእዮን ንረኽቦን ማለት እዩ።

ኢየሱስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝርአ

መልክዑን ዝስማዕ ድምጹን እዩ። ብሓቂ ከኣ ኢየሱስ

ናብ ነፍስወከፍና ክመጽእ ከሎ ድኅነትን ሕውየትን

ሒዙልና እዩ ዝመጽእ።

ኣብዚ፡ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ክውለድ ከሎ

ዘይተቐበልዎን ማዕጾ ልቦም ዘይከፈቱሉንከ እንመን

እዮም ዝብል ሕቶውን ከይተላዕለ ኣይተርፍን እዩ።

ብመጀመርታ እቶም ዋናታት መዕረፍ ኣጋይሽ ኮነ

ዝበዝሕ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ክቕበሎ ፍቓደይና

ኣይነበረን። ንጉሥ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ናብኡ

መጺኦም “ኮኾብ መሪሑና ኢና መጺእና ነቲ ዝተወልደ

ንጉሥ ኣርእየና” ምስ በልዎ ኣይተሓጐሰን። በንጻሩ

ፈሪሁን ሰንቢዱን። ከምኡውን እቶም ትንቢት ነቢያት

ዝፈልጡ ዝነበሩ ካህናትን መማህራን ሕግን ንኢየሱስ

ክቕበልዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ሎሚውን ዝጐድለና

ከምዘይብልና ብትዕቢትን ብኣነነትን ተመሊእና ምቕባል

እንተኣቢናዮ ነዚ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ዝህበና ተሪር

ማዕዳ ንስማዕ፣ “ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ኳ

ዝጐድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን

ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ (ራእ

3፡17)። ድኻታት ክንስና ሃብታማት ኢና እንተበልና

ንርእስና ኢና ነታልል። ዕውራት ክንስና ንርኢ

Page 15: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 15

እንተበልና ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር። ዕሩቓት ክንስና

ክዳን ኣሎና እንተበልና ንርእስና ኢና ነተዓሻሹ። በዚ

ምኽንያት እዩ መድኃኔ ዓለም ባዕሉ ካብ ዕሽነትና

ክንወጽእ ካብ ዑረትና ክንሓዊ ዝመኽረናን መዋጽኦ

ዘርእየናን ዘሎ። ከመይ፡ ሓቀይና ሃብቲ፣ ሓቀይና ክዳን፣

ሓቀይና ጽርየትን ንጽሕናን፣ ኣብ ኢየሱስ ካብ ዝርከብ

ጸጋታትን ረድኤትን እዩ ዝርከብ። “ምእንቲ ክትህብትም

ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ኅፍረት ዕርቃንካ

ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ ፣

ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንቲኻ ክትኰሓለሉውን ኲሕሊ

ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ” (ራእ 3፡18)። ነዚ

ንምግባር ግን ኣዕሚቑና ንኢየሱስ መድኃኒና ክንፈልጦን

ክንቅበሎን ክንክተሎን ኣድላዪ እዩ። ኢየሱስ ነቶም

ድኽነትናን ዕራቖትናን ዑረትናን ተኣሚንና ናብኡ

ዝቐረብና፡“እንታይ ክገብረልካ ተደሊ” (ማር 10፡

51) ቢሉ ይሓተና እሞ ከም ባርጢመዎስ “መምህር

ክርኢ” (ማር 10፡51) እናበልና ብእምነት ክንምልስ

ኢና። ኢየሱስ ከኣ ንነፍስ ወከፍና “ኪድ እምነትካ

ኣሕወየትካ” (ማር 10፡52) ዝብል ዘተባብዕ መልሲ

ክህበና ኣዩ። እውነተይና ጸጸትን ንስሓን ንዓይኒ ኅሊናና

ይኸፍተልና። በቶም ሾብዓተ ኣርእስቲ ኃጢኣት፣ ማለት

ትዕቢት ንፍገት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ቊጥዓ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡

ትህኪት፣ ልብና ዓዊሩን ደንዚዙን እንተ ተረኽበውን፣

ኢየሱስ ባዕሉ፣ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን

እቐጽዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ። እንሆ

ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ።

ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ

ክኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ፣ ንሱውን ምሳይ

ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡19-20) እናበለ ዓብይ ተስፋ

ክህበና ይርከብ። እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ

ገኒሑና እንተኾነውን ስለዘፍቅረና እምበር ስለዝጸልኣና

ከምዘይኮነ፡ ከሕውየናን ከበርትዓናን እምበር ክፈርደናን

ከዳኽመናን ከምዘይኮነ ብቓሉ የረጋግጸልና ኣሎ።

እምበኣር ሎሚውን፣ ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣

ኢየሱስ፣ ንነፍስወከፍና፣ “ንስኻ፡መን እዩ ትብለኒ ?

ንስኺ መን እዩ ትብልኒ?” እናበለ ይሓተና ኣሎ።

ከመይ ዝበለ መልሲ ንህቦ ንኸውን?። ከም ቅዱስ

ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ

ኢኻ”(ማቴ 16፡16) ክንብል እንተተረኺብና፣ ነቲ

ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒና

ብኽፉት ልቢ ተቐቢልናዮ ማለት ስለዝኾነ “ብፁዓን፡

ዕውታት ኢና”። በዓለ ልደተ ጥምቀት ድማ ብሓቂ

በዓላት ኣስተርእዮ ወይ መለኮታዊ ግልጸት ይኾነልና።

እቶም ኣብ በረኻታት ቤተልሔም ማሎም ዝጓስዩ

ዝነበሩ ገረሀይናታት ጓሶት “ ነዚ እግዚኣብሔር

ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ንቤተልሔም

ንኺድ” (ሉቃ 2፡15) እናተበሃሃሉ ብምኻድ፡

ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ

ሕጻንን” (ሉቃ 2፡16) ከምዝረኸብዎም፣ ንሕናውን

ብትሕትናን ብቅንዕናን ብእምነትን እንተ ተሰናዲውና

ንመድኃኔ ዓለም ክንረኽቦን ክንቅበሎን ኢና። ንሱ ከኣ

ኣብ ልብና ኣቲዉ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ክመልኣናን

ክባርኸናን እዩ። ልብና እንተኸፊትናሉ ኢየሱስ ሕጻን

ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡

ትዕግሥቲ፡ ልግስነት፡ ሕያውነት፡ ርኅራኄ፡ ተኣማንነት፡

ለወሃት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ተዓቅቦ ፡ንጽሕና (ገላ 5፡

22-23 ረአ)፣ ክልግሰልና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ

ብሓቂ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ

ምሳና ነበረ፣ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ

ክብሪ፣ ዝኣክል ክብሩ ረኣና” (ዮሓ 1፡14)። “ክብሪ

ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ

መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰባት” (ሉቃ

2፡14) እናበልና ብሓጐስን ብምግራምን ምስቶም

መላእኽቲ ክንዝምር ኢና።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓላት ልደተ ጥምቀት

ይግበረልና።

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን፣

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

Page 16: th 2017 - medhaniealemecc.orgˆ˜በል-፲፮... · መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16 th Issue - Jan & Feb) 2017 (01/2017 ሕታም)

መጽሔት ቁምስና መበል ፲፮ ሕታም፡ ጥሪን የካቲትን (16th Issue - Jan & Feb) 2017

(01/2017 ሕታም) ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ዘሥርዓተ-ግዕዝ 16

Veni Sancte Spiritus I Come Holy Spirit I ንዓ መንፈስ ቅዱስ ንዓ