View
79
Download
1
Embed Size (px)
DESCRIPTION
ethiopian Kunama news in Tigrigna !! ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ከም ብሄርን ፖለቲካዊ ውድብን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ተርU ዝጻወተሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።
Citation preview
03-04-2014
ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ከም ብሄርን ፖለቲካዊ
ውድብን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ተርU ዝጻወተሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።
ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ተሞርኲሱ ክውስንስ ይትረፍ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ Eድል ተሓሪሙ ከርፋሕ
ሂወት ኣልዩ ኣብ ዓወት ዝበጽሐ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኲናማ ኤርትራ ከም
ብሄርን ፖለቲካዊ ውድብን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ተርU ዝጻወተሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ Eቲ
ውድብ ገሊጹ።
ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ ጽምብል መበል 19 ልደት Eቲ
ውድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸO መግለጺ ኮይኑ ንቐጻሊ መሰል ብሄረ ኲናማ ኣብ ከባብያዊ
ምምሕዳሩ ብዝምልከት Eቲ ውድብ ዘይሳተፈሉን ብኻልOት ተወሲኑ ዝኸደሉ Eድልን ከም
ዝተዓጸወ ኣብሪሁ።
Eዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንጎ ብሄር ኲናማ ዘተኣታትዎ ዘሎ ጽልI Eቲ ውድብ
ይወስዶ ብዘሎ ዝተፈላለየ መጥቃEቲ ህልውንU ከረጋግጽ ምብቕU ዓቢ ዓወት ተባሂሉ
ክግለጽ ከም ዝኸኣለ ኣስሚሩሉ’ዩ።
Eቲ ውድብ ኣብ ልEሊ ስርዓት ህግደፍ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ቓልሲ ምስ ደምበ ተቓውሞ
ኤርትራ ዓሲሉ ወትሩ ብትግሃት ከምዝሰርሕ ኣብቲ ብምክንያት ልደት ዲሞክራስያዊ
ምንቅስቓስ ሓርነት ኲናማ ኤርትራ ዘውጽO መግለጺ ኣረጋጊጹ’ዩ።
-----------------------------------------------------///////////////////-------------
--------------------------------
03-04-2014
ኤርትራ ካብ መጻረይ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስሓባ ኣብ ታሪኽ ኩEሶ Eግሪ
ኤርትራ ዘሕፍር ፍጻመ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።
ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብሉጻት ተጻወቲ ክተፍሪ ዝኸኣለት ኤርትራ ኣብዚ Eዋን’ዚ ብሰንኪ
ህድማ ተጻወቲ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ምስሓባ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዘሕፍር ፍጻሜ’ዩ ክብሉ
ገዳይም ተጻወትን ኣሰልጠንትን ከም ዝገለጹ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ዝተጀመረሉ ኣትሒዙ ምስ ሃገራዊት ጋንታ I/ያ Eናተሰለፉ ዝጻወቱ
ዝነበሩ ኤርትራውያን ተጻወቲ ድሕሪ ናጽነት ኩEሶ Eግሪ ሃገርና ኣብ ጥርዚ ክበጽሕ ደኣ’ምበር
ብኸምዚ ክዛዘም ትጽቢትና ኣይነበረናን ክብሉ ገሊጾም’ዮም።
መብዛሕትOም ተጻወቲ ኩEሶ Eግሪ ኤርትራ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኖም ከምቶም
ኣብ ቕድድም ብሽክለታን ጉያ Eግርን ዝወዳደሩ Eቱብ ቆላሕታ ከምዘይግበረሎም ዝሓበሩ
ገዳይም ተጻወትን ኣሰልጠንትን Eዞም ተጻወቲ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ግጥማት ከድምU
ኣይኽEሉን’ዮም ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ ከምዘሕዘኖም ኣብሪሆም።
ኤርትራ ካብ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ምንስሓባ ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ
ከምዘይሰምUን ልምምድ የካይዱ ኣብ ዝነበሩሉ Eዋን ሃንደበት ከቋርጹ ከምዝተወሰነን ሬድዮ
ኤረና ብተወሳኺ ሓቢራ።
-----------------------------------------------------///////////////////-------------
--------------------------------
03/04/2014
ቕልውላው ሪፖብሊክ ማEኸላይ ኣፍሪቓ ንኣኼባ ኣፍሪቓን ኤውሮጳዊ
ሕብረትን ክብሕቶ ከም ዝኽEል ተገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብ ዘወሃሃዶ ዜና ኣብ ሪፖብሊክ ማEኸላይ ኣፍሪቓ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ
ቕልውላው ንኣጀንዳ Eቲ ኣብ ብራስለስ ዝካየድ ኣኼባ ኣፍሪቓን ኤውሮጳዊ ሕብረትን
ክEብልሎ ከም ዝኽEል ገሊጹ።
Eቲ ኣኼባ ክካየድ ዝተወሰነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ሪፖብሊክ ማEኸላይ ኣፍሪቓ ከዋፍሮ
ዝነበሮ ኣስታት 1000 ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሓይሊ ዓቓቢ ሰላም ከም ዝተደናጎየ ብወግI
ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።
ቕልውላው ሪፖብሊክ ማEኸላይ ኣፍሪቓ ንምEራፍ ኣስታት 6000 ወተሃደራት ኣፍሪቓዊ
ሕብረትን 2000 ወተሃደራት ፈረንሳን ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለው ኮይኖም ዘላቒ ፍታሕ
ግን ክርከብ ከም ዘይከኣለ’ዩ ዝግለጽ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪሙን’ውን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ብዛEባ Eቲ ኣብ ሪፖብሊክ
ማEኸላይ ኣፍሪቓ ተፈጢሩ ዘሎ ቕልውላውን ዘስዓቦ ክሳራን ጸብጻብ ከቕርብ ትጽቢት
ይግበር።
-------------------------------------------------------/////////////////-------------
--------------------------------
30/04/2014
ማሌዥያ ጠንቒ ምስዋር ነፋሪት መገዲ ኣየር’ታ ሃገር ሕንቕልሕንቕሊተይ
ዝኾነሉ ተኽEሎ ከምዘሎ ገሊጻ።
ቢቢሲ ዘወሃሃደ ዜና ከምዝረጋገጾ ቐዳማይ ሚኒስተር Iንዶነጂያ ናጅብ ራዛቕ Eታ ተሰዊራ
ዘላ ነፋሪት መንገዲ ኣየር’ታ ሃገር ብሰሪ ምንታይ ነቲ ሓደጋ ከምዘተቓልAት ዝሕብር ፍንጪ
ክሰኣን ይኽEል’ዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
Eቲ መስርሕ ከይተቛረጸ ይቕጽል’ኳ Eንተሃለወ MH 370 ዝዓይነታ ነፋሪት ማሌዥያ ናበይ
ኣቢላ ዝብል ሕቶ ግን ኣፋፍኖት ክርከቦ ኣይክኣለን።
ነዚ’ዩ ድማ ኣብቲ ፍንጪ ንምርካብ ዓለሙ ዝካየድ ዘሎ ጻEሪ ኣድሂቡ ንምዝርራብ ናብ
Aውስትራሊያ ዘምርሐ ቐዳማይ ሚኒስተር ናጀብ በቲ ኩነታት ተስፋ ከምዝቆረጸ ዘተንብህ
መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
10 ነፈርትን 9 መራኽብን ኣብ ደቡባዊ ህንዳዊ ውቕያኖስ ጻEርታት ይገብራ’ኳ ተሃለዋ
ዝተረኸበ ኣፋፍኖት የለን።
8 መጋቢት 239 ተሳፈርቲ ሒዛ ካብ ኳላላምፑር ናብ ቤጅንግ ዝተበገሰት ነፋሪት ማሌዥያ
ናበይ ኣበለት ወይ ታይ ገጠማ ዝብል ሕቶ Eነሆ ሳይንስ በጺሐዮ ንዝብሎ ምEባለ
Eንዳተፈታተነ ሳልሳይ ሰሙኑ የሕሊፉ።
ውጽIት Eቲ ዝካየድ ዘሎ ጻEሪ ፍረ ክስኣኖ ግዳያት ንዝጽበዩ ስድራን ፈተውትን ተወሳኺ
መርድE ኮይኑ’ሎ ከም ጸብጻብ ቢቢሲ።
-------------------------------------------------------/////////////////-------------
--------------------------------
03/04/2014
ኔቶ ምስ ሩሲያ ዝነበሮ ኩለንተናዊ ምትሕግጋዝ ክቋረጽ ወሲኑ።
ቢቢሲ ዘወሃሃዶ ዜና ከምዝሓበሮ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻI ኣባል ሃገራት ኔቶ ምስ ሩሲያ
ዝነበረ ሲቪላውን ወተሃደራውን ምትሕግጋዝ ክቋረጽ ወሲኖም ኣለው።
ኔቶ ነዚ ውሳነ’ዚ ዝወሰነ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሩሲያ ኣብ ዩክሬይን ንዞባ ክሬምያ
ብምቑጽጻር ፈጺማቶ ዘላ ተግባር ብምቕዋም ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምትታት Eዩ።
Eቲ ናይ ሩሲያ ተግባር ኣብ መላE ኤውሮጳ ንወለዶታት ዝሰግር ጸጥታዊ ስግኣት ክወርድ
ዝገብር’ዩ በሃሊ’ዩ ኔቶ።
ሩሲያ ካብቲ ምስቲ ዩክሬይን ዘዳብውብ ቦታ ሰራዊታ ትስሕብ ኣላ ንዝብል ሪፖርት’ውን ኔቶ
ነጺጉዎ’ሎ።
ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ዩክሬይን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከም
ዘስፈረት’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
ብወገን ሩሲያ ግን Eቶም ወተሃደራት ስሩE ታEሊም ክወስዱ ኣብቲ ከባቢ ዝንቐሳቐሱ
ዘለው’ዮም ምEራባውያን ንምንታይ ከም ዝጭነቓ ዘለዋ ግና ኣይርድኣንን ዝብል ስነሞገት’ዩ
ዝቐርብ ዘሎ።
--------------------------------------------------------/////////////////------------
--------------------------------