12
መበል 23 ዓመት ቁ. 121 30 ታሕሳስ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ንኤል ሻራዊ ዝኸሰረት ሚላን ገጽ 2 ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ግዜ ክዛረብ ገጽ 3 “40 ሽሕ ዶላር እንተዘይከፊልኩም፡ ሂወትኩም ኣብ ኢድኩም!” ገጽ 7 እቶም መዛኑ ደቂ ገዛውቲ ‘ዓዲ ሓሸል’ ገጽ 5 2013 ሰኑይ ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ፡ ብሓፈሻዊ ሕክምና ን8 ዓመታት ከምህሮም ዝጸንሐ 56 ተመሃሮ፡ ብ28 ታሕሳስ ብደረጃ መዲካል ዶክተሬት ኣመሪቑ። ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን መንግስቲ፡ መሻርኽቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ወለዲን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዘካየዶ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ርኡይ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምድራዕ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ካብ’ቲ ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ዝስራሓሉ ዘሎ መዳይ ምዃኑ ገሊጻ። ኣስዒባ ሚኒስተር ኣምና፡ ኤርትራ ብእትህቦ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎን ጽፉፍን ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ዝርከባ ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት ክትከውን ከምዝበቕዐት ብምሕባር፡ ተመረቕቲ ነዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ዓወታት ኣብ ምድራዕ እጃሞም ከበርክቱ ልዑል ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺራ። ዲን ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ፕሮፌሰር ዓንደማርያም ገብረሚካኤል ብግደኡ፡ ተመረቕቲ ረኺቦሞ ዘለው ዓወት ብኸቢድ ጻዕርን ተጻዋርነትን ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ዓውዲ ሕክምና ልዑል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ዘሰክም ብምዃኑ፡ ተመረቕቲ ሓፈሻዊ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ናይቲ ዓውዲ ብተግባር ኣብ ምንጽብራቕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ። ዲን ዩኒቨርሲቲ ኣ’ጀዚራ ናይ ሱዳን ፕሮፌሰር ሙጃሂድ ዓብደራሕማን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ርኡይ ምዕባለን ገስጋስን የንጸባርቕ ምህላው ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ብምጥቃስ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣ’ጀዚራ ምስ ቤት- ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ዘለዎ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ 56 ተመሃሮ ብደረጃ መዲካል ዶክትሬት ኣመሪቑ ከደንፍዕ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ መመረቕታ - ካብ ተመሃሮ ናብ’ቲ ሰፊሕ ዓውዲ ስራሕን ተግባራውነትን ዝኣትውሉ መድረኽ ብምዃኑ ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘሰክሞም ብምጥቃስ፡ እቲ ሞያ ልዑል ሞራላዊ ግዴታ ስለዝሓትት፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ባዶብ - ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝርከብ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾነ ናይ መባእታ ቤት- ትምህርቲን ፕሮጀክት ማይን ክጽገን፡ ነበርቲ ሓቲቶም። ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምርግጋጽ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ብምሃብ ንዝገብሮ ዘሎ ባዶብ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ትካላት ትምህርትን ማይን ክጽገን ይሕተት ብኸቢድ ወጻኢታት ንዘምሃሮም ህዝቢ ብውፉይ ስራሕ ንክኽሕሱ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጹ። ኣብ 2004 ዓ.ም ዝተመስረተ ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ተመረቕቲ 152 ዶክተራት ኣመሪቑ ከምዘሎ፡ ሰነዳቱ የነጽር። ጠመተ ብምምስጋን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሓያል ህቦብላ ዚንጎታታ ዝተቐንጠጠ ቤት-ትምህርቲ ዛጊት ብዘይምጽጋና፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ጸገም የጋጥም ስለዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ክጽግና ኣዘኻኺሮም። ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ መሓመድን ኣቶ እስማዒል ዑመርን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 5 ክፍልታት ናይታ ቤት-ትምህርቲ ብሰንኪ ንፋስ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ብምዃኑ ጠንቂ ምቁራጽ ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር። ንምጽጋና ዘቕረብኦ ጻውዒት ዛጊት ፍታሕ ብዘይምርካቡ፡ ቅሬታኦም ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከባቢ ክልተ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ማይ ተበላሽዩ ስለዘሎ፡ ጸገሞም ዝቃለለሉ መገዲ ክናደ ኣዘኻኺሮም። ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ባዶብ ኣቶ ሑመድ መሓመድ-ስዒድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ጽገና ቤት-ትምህርትን ፕሮጀክት ማይን ቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።

ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ 56 ተመሃሮ ብደረጃ መዲካል ዶክትሬት ኣመሪቑ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_30122013.pdf · ናይ ሱዳን

  • Upload
    others

  • View
    16

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

መበል 23 ዓመት ቁ. 121 30 ታሕሳስ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

²Ãö 3

ገጽ 11

ንኤል ሻራዊ ዝኸሰረት ሚላን

ገጽ 2

ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ግዜ ክዛረብ

²Ãö 3

ገጽ 3

“40 ሽሕ ዶላር እንተዘይከፊልኩም፡

ሂወትኩም ኣብ ኢድኩም!”

ገጽ 7

እቶም መዛኑ ደቂ ገዛውቲ ‘ዓዲ

ሓሸል’

²Ãö 3

ገጽ 5

ኣ በሰ

ኛታ ት

2013

ሰኑይ

ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ፡ ብሓፈሻዊ ሕክምና ን8 ዓመታት ከምህሮም ዝጸንሐ 56 ተመሃሮ፡ ብ28 ታሕሳስ ብደረጃ መዲካል ዶክተሬት ኣመሪቑ።ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ

ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መሻርኽቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ወለዲን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዘካየዶ ሓያል ጻዕሪ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ርኡይ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምድራዕ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ካብ’ቲ ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ዝስራሓሉ ዘሎ መዳይ ምዃኑ ገሊጻ።ኣስዒባ ሚኒስተር ኣምና፡ ኤርትራ

ብእትህቦ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎን ጽፉፍን ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ዝርከባ ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት ክትከውን ከምዝበቕዐት ብምሕባር፡ ተመረቕቲ ነዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ዓወታት ኣብ ምድራዕ እጃሞም ከበርክቱ ልዑል ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺራ።ዲን ቤት-ትምህርቲ ሕክምና

ኦሮታ ፕሮፌሰር ዓንደማርያም ገብረሚካኤል ብግደኡ፡ ተመረቕቲ ረኺቦሞ ዘለው ዓወት ብኸቢድ ጻዕርን ተጻዋርነትን ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ዓውዲ ሕክምና ልዑል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ዘሰክም ብምዃኑ፡ ተመረቕቲ ሓፈሻዊ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ናይቲ ዓውዲ ብተግባር ኣብ ምንጽብራቕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ።ዲን ዩኒቨርሲቲ ኣ’ጀዚራ

ናይ ሱዳን ፕሮፌሰር ሙጃሂድ ዓብደራሕማን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ርኡይ ምዕባለን ገስጋስን የንጸባርቕ ምህላው ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ብምጥቃስ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣ’ጀዚራ ምስ ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ዘለዎ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን

ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ 56 ተመሃሮ ብደረጃ መዲካል ዶክትሬት ኣመሪቑ

ከደንፍዕ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡

መመረቕታ - ካብ ተመሃሮ ናብ’ቲ ሰፊሕ ዓውዲ ስራሕን

ተግባራውነትን ዝኣትውሉ መድረኽ ብምዃኑ ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘሰክሞም ብምጥቃስ፡ እቲ ሞያ ልዑል ሞራላዊ ግዴታ ስለዝሓትት፡

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ባዶብ - ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝርከብ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾነ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲን ፕሮጀክት ማይን ክጽገን፡ ነበርቲ ሓቲቶም።ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡

መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምርግጋጽ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ብምሃብ ንዝገብሮ ዘሎ

ባዶብ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ትካላት ትምህርትን ማይን ክጽገን ይሕተት

ብኸቢድ ወጻኢታት ንዘምሃሮም ህዝቢ ብውፉይ ስራሕ ንክኽሕሱ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጹ።ኣብ 2004 ዓ.ም ዝተመስረተ

ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ተመረቕቲ 152 ዶክተራት ኣመሪቑ ከምዘሎ፡ ሰነዳቱ የነጽር።

ጠመተ ብምምስጋን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሓያል ህቦብላ ዚንጎታታ ዝተቐንጠጠ ቤት-ትምህርቲ ዛጊት ብዘይምጽጋና፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ጸገም የጋጥም ስለዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ክጽግና ኣዘኻኺሮም።ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ መሓመድን

ኣቶ እስማዒል ዑመርን ኣብ

ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 5 ክፍልታት ናይታ ቤት-ትምህርቲ ብሰንኪ ንፋስ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ብምዃኑ ጠንቂ ምቁራጽ ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር። ንምጽጋና ዘቕረብኦ ጻውዒት ዛጊት ፍታሕ ብዘይምርካቡ፡ ቅሬታኦም ገሊጾም።እቶም ነበርቲ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ

ምምሕዳር ከባቢ ክልተ ብጸሓያዊ

ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ማይ ተበላሽዩ ስለዘሎ፡ ጸገሞም ዝቃለለሉ መገዲ ክናደ ኣዘኻኺሮም።ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ባዶብ

ኣቶ ሑመድ መሓመድ-ስዒድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ጽገና ቤት-ትምህርትን ፕሮጀክት ማይን ቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 2

መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል)

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ብዛዕባ ግዜ ምዝራብ ቅጭ ኣምጺኡለይ። ኣብዚ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ሓድሽ ዝበሃል ግዜ ርእየ ኣይፈልጥን። ግዜ ዝስማዕ እንተዀይኑ‘ውን ንዓኡ ዝኸውን ኣእዛን ኣይተዓደልኩን። ክንዲ እዝነይ ዝኸውን እዝኒ ዝተዓደለ ሰብ ዘይምህላው ከኣ የተሓሳስ በ ኒ ። ግዜ ዝስተማቐር ወይ ዝድህሰስ እንተዀይኑ‘ውን ከ ለ ል ዮ

ኣይከኣልኩን። እዚ ናይ ስምዒት ህዋሳትካ ክጠልመካ እንከሎ ክንደይ ይኸፍእ ደቀይ!ንግዜ ዘማርርዎ ማእለያ የብሎምን።

ከም ህጻን ተሓጒሶም ዘሕልፍዎ ከኣ’ባ መሊኦም። ጸቢቖም ንዕባባ መሲሎም ዝኸድዎ ብዙሓት። ከም ልቢ ንእንኮሻብ ከየዕረፉ ዝተጓዕዝዎ እልቢ። ምንባር ይብልዎ’ምበር ንኻልእ

ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ግዜ ክዛረብ

እናነበሩ ዝነብርዎ ያሒት። ኣብ ሓደ መዓልቲ ናይ ብዙሓት መዓልታት ስራሕ እናማልኡ ንሰብ ቀዲመምዎ

ይነብርሉ። ግዜ መሊኡና ’ሎ

እ ና በ ሉ ከ ም

ጸ ሓ ይ ደሓን ሕደሩ ከይበሎም ዝተፋነዎም ከም ሰቦም

ይነብርዎ። ንዓኡ ከማእዝኑ ኣብ ኢዶም ሰዓት ዝኣሰሩ ግና ንሰዓቶም ኣንቢቦም ዘይፈልጡ እንተነበርዎ ኣይቅየሞምን። ግዜ እንታይ ምዃኑ ንሰብ ክምህሩ ብዛዕባ ግዜኦም ሓንሳብ ከይሓሰቡ ዝኸዱ ኣብ ማእከሉ እንተለው‘ውን ስኽፍ ኣይብሎን። ከም ንዋት እንተሓሰብዎ ክውዳእ’የ ኢሉ ኣይፈልጥን። ሰብ ሓሲሙ ረጊሙ ፍርዱ ሂቡ ኣይፈልጥን። ዓሪቡ ወጊሑ ኣይርብርብን። ንምምሳይን ምብራህን ጸሊእዎም ኣይፈልጥን። ኣላ ግዜ ኣይስልችዎ። ግዜ ዘምጽኦ’ዩ ኢሎም ዘይናቱ እንተሰከምዎ ከቕጨጩ ኣይረአን። እዚ ሰብ ከም ግዜ እንተዝኸውን ዘብል ጸዋር ትዕድልቲ!ሰባት ክንእድዎን

ክነቕፍዎን እናሰምዐ ሓቅኹም ወይ ተጋጊኹም ቢሉ ኣይፈልጥን። ንኹሉ ዝነብርን ዝነበረን ብማዕረ ጸጋኡ እናሃበ ኣይርብርብን። ከም ወላዲ በዅርን ሕሳስ ልደን ኢሉ ኣየዳለወን። ማዕረ ከም ስኒ ኣድጊ ኣይውክሎን ይኸውን። መዋእሎም ንዘመስገንዎ‘ውን ይኣኽለኒ ኣይበሎምን። ርሑስ ሓድሽ ዓመት! መባልዕትናን መሳትይትናን ይግበሮ ንዝበልዎ እንታዮም ከም ዝኸውን ኣይመለሰን። ኣነ‘ውን ናብዚ ዘይተመለሰ ነገር ከም ሰበይ ኣተኹ። ከም ሰበይ ምምናይ ኣይገድፍን። ዝዀነ ሰብስ ንኽትብል ዋጋ ስለዘይትኸፍለሉ እንደኣሉ ‘ርሑስ ሓድሽ ዓመት’ እናበለ ዝኸይድ። ገሊኡ‘ውን ነቲ ክብሎ ዝደሊ ብመልእኽተይና ገይሩ ይሰደልካ። ኣብ ከምዚ በጺሑ እቲ ንሓድሽ ዓመት እትለዋወጦ መግለጺ ሰናይ ይምቅረካ። ሰብ ንሓንቲ ሰናይ ምንዮት ክገልጸልካ ብኽንደይ ሕብርታት ዘጌጸ ዕምባባ ይሰደልካ። ሰባት ምሉእ ግዜኦም(ምናልባት‘ውን ዕድመኦም) ወፍዮም ዝቐብእዎ ኣሳእል ዘሰነየ ቡስጣ ይሰደልካ። ሰባት ብዛዕባ ግዜ ዘይኮነ ንነብሶም ኣብ ግዜ ማእከል ገይሮም የብዕሉ ምህላዎም ድሒሩ ይስወጠካ። እንኳዕ ድማ ኩሉ ከምዚ ከማይ ዓሻ ዘይኰነ ኢልካ ትሓልፎ። ‘ዓመተ ሰላም ይግበረልካ፣ ዓመተ ጥዕና ይኹነልካ፣ ሓሳባትካን ሕልምታትካን ጋህዲ ኰይኖም እትርእየሉ ዓመት ይግበረልካ…..። እቲ ሰናይ ምንዮት መሊኡ’ዩ። መዕጸዊ ሓሳባት ዝዀነት ይግበረልካ እትብል ቃል‘ውን ምልእ ኢላ’ያ። ሰኣን ኣሜን ይሓልፍ ምርቓ ድዩ ዝተመሰለ….? ብዝዀነ ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ኣሜንዶ ኢልኩም? ሰኣን ኣሜን ይሓልፍ ምርቓዶ ኣይበልኩን።ሰበይ ነናታ ሒዛመርዓ ሎሚ ዘበንፈንቂልካ እምኒ ንዓይ ንበይነይ ጨኒቑኒሰበይ ነናታ ሒዛኣነ መይተ ብቓንዛ።ነዚ ደርፊ ዘይሰምዕን ዘይፈልጥን

ኣይህሉን። ንዝዀነ ሰብ ዝተደርፈ‘ውን

ኣይኮነን። ሃብቲ ኣይሰኣን፣ ንባሕሪ እናወረዱ ዝሓርሱ ሃብታማት ሰብ ካርነሽም ነበሩ’ሞ ንወዮ ወዶም ከብቲ ክሕልወሎም ጥራሕ

እናሓሰቡ ንመርዓ ካብ መዛንኡ ኣትረፍዎ። ኣርባዕተ ዝኸውን ጥሪ ብኸምዚ ዝግባብ ምስ ሓለፎ ድማ ሕልፍኚ(ዘይተርፍ) ዕርክነት ኰይንዎ ዓዲ ኣተወ። ጨፍር ኢሎም በትሪ ምስ ሓብዎ ድማ ነዚ ልዕል ኢለ ዝጸሓፍክዎ ግጥሚ ደረፈ። ናይቲ ኣብ እርያ ፉል ጥራሕ ተጸሚዱ ገንዘብ ከዋህልል ጥራሕ እዋኑ ዝሓለፎ ዛንታ ዓንተር ምለዛናይ‘ውን ከምኡ’ዩ። መለሳ ቈሎስ ጥጥቖ!

በዚ ደርፊ ክሓስብ እንከለኹ ሰብ ካብ ቀደም ጀሚሩ ብሕታውነት ይስመዖ ምንባሩ’ዩ። ካብኡ ሕልፍ ኢሉ ናተይ ዝብሎ ዝስእን ሰብ ምንባሩ‘ውን ዝዀነ ዓሻ ከምዚ ከማይ ክርደኦ ይኽእል። በቲ ሓደ ትጸናናዕ። እዚ ማለት ሰብ ናተይ ዝብሎ ሰብ ከይሓዘ ክጸንሕ ባህርያዊ ምዃኑ እንተተረዲእካ ማለት’ዩ። ሰብ ነናቱ ክሕዝ እንከሎ ኣበይ ነይረ? ኢልካ ንነብስኻ እንተሓቲትካያ ግና ኣብ ቅልውላው ኢኻ ትኣቱ። ብፍላይ ብእኩብ ደረጃ ናተይ ዝብለን ወይ እትብሎም ዝሓዙ ከመኻ ሰባት እንክትርኢ፣ ደረጃ ብዛዕባ ነብስኻ ምሕሳብ ሰማይ ይበጽሕ። ግን ከኣ ሓሳብ ጥራሕ ኰይኑ ይተርፍ። እቶም ዝሓዙ ወይ ዝሓዛ ከምዚ ኢሎም ብዛዕባ ነብሶም ከይሓሰቡ እንከለው ንዓኦም ዝኸውን ሰብ ከም ዝረኸቡ ምስ ሓከዩኻ ንነብኻ ሓሲብካ ኣይትጸግበላን። በኺኻ ኣይትጸግበላን ኣይብልን’የ። ኣብዚ ቁንጣሮ ተመኵሮይ ንሰብ ህይወት እንተስኣነ ጥራሕ ኢኻ ክትበኽየሉ ዝግብኣካ። ማለትሲ ሰብ ሎሚ እንተስኣንካ ጽባሕ ትረክብ። ጽባሕ እንተስኣንካ ከኣ መዓልቲ ኣሎ ኢልካ ነብስኻ ተደዓዕስ።ዝዀነ ካልእ መዓልቲ በዚ ኣርእስቲ

ክትሓስብ ጸቕጢ ኣይገብረልካን። ናብ ሓድሽ ዓመት ዘውግሐ ምሸት ግና ኣብ ፍቕርን መሳሊኡን ዝርከቡ ሰባት ከም ፈትልን ሽምዓን ተኻዊኖም ስለዘምስዩ እዚ ነገር መዓልቲ ይረክብ።

‘ወዲተምነዎ ዘዘበንካ ኣለዎ ትብል ደራፊት’ብዝዀነ እንኳዕ ኩሉ ሰብ ሓደ

ዘይኰነ። ገሊኡ ማሚቑ ገሊኡን

መፍቶ ቁሪ፣ ገሊኡ ኣብዚሑ ገሊኡን ንምልክት ስኢኑ ክርትኢ እንከለኻ ነቲ ንስኻ ዝሰኣንካዮ ኣብ ካልኦት ብምርኣይ ትዘናጋዕ። ኣባ ቀሺ ዝበልዕዎስ ኣደይ ኢታይ የጉስዓኦ ይብልኹም ከምዚ’ዩ።

ብኣፍካ ጸፍ

ተባህለ ኢልካ ወረስ

ግርም ኩሉ ይኽእሎፈትዩ ከድንቐካ

ክጸልእ ይቐብእ ጸለሎኣይ ኢድካ ኣይ እግርኻ

ብዘይ ገለ ሞያኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ

ተውጽእ ስውያ፡ትም ምባል ይሓይሽካብ ከም’ዚ እባ ከም’ዚሰባት ካብ ትውንጅል

እንከለካ ሕንዚእናዘራዘርካ

ኣስማት ተጻወትቲጸርፊ ካብ ምድርዳርነቶም ተዓዘብቲ

ወይ ማዕሪኦም ኴንካኣብ’ቲ መስኮት ወዓል

ወይ ካልእካ ዕየብኹዕሶ ኣይተዕልልክልተ ጫፍ’ኮ ኮይኑእዚ ኩሉ ሃተፍተፍኣፍካ ጸፍ እናበለእግርኻ ደርገፍ፡

እምበር ቤትና ደኣኩሉ እንድያ ትሰትርግን ኣይነቃልዓን

ከብዲ’ሎ መቓብር።

ማቴዎስ ኣብርሃ(ባርያ)

እንካኒ ብግጥሚ

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 3

ወይ ሰብ ደቀይ!ወይ ሰብ ደቀይ!ገብሩ ክብረኣብ

እቲ ኣብ ማሕዩር ዶብ ሱዳን ንኤልያስ ካልኣይ ዝዀኖ

ቆማት መንእሰይ ብሽንቲ ቀልቀል ምስ ተዋጠረ፡ ካብ’ቶም ግዳያት እቶም ብሓደ ሰንሰለት ዝተመቑሑ ዓሰርተ መንእሰያት፡ ጐሰስ ክብሉ ናብ’ቲ ኣብ ሓደ ጸግዒ’ታ ኽፍሊ ዝተሃንጸ ዓይኒ-ምድሪ በጽሑ። ኣብ’ኡ ብዝረኣይዎ ድማ ብዙሕ ራዓዱን ተሰናበዱን። ኤልያስ እንክዝክር፡ “ሕጂ…እቲ ናይ ተለፎን ነገር ምስወድአ እቲ ቆማት እንታይ ይብል መስለካ - ክሸይን ደልየ ይብል። ዎ ኩልና ሓደ ሰንሰለት’ዩ ኣሲሩና ዘሎ። ደሓር’ቲ መሽኪን ዓብደላ ብሰንሰለት ስለዘይእሰር ጥቓና ቀሪቡ ‘በጃኹም ሓፍ ሓፍ በሉ ሓግዝዎ’ ይብለና። ካብ’ኡ ጐሰስ ኢልና መቸም ሽቓቕ ንበጽሕ…” ክብል ምስ ኣዘንተወ ስቕታ ኣስዓበ። ኣብ መንጎ ዕላል ብዙሕ እዋን ይኹለፍ ብምንባሩ ተመሊሱ ዛንታኡ ክቕጽለለይ ተጸበኹ። ትጽቢተይ ግዲ ተረዲኡ ቅልጥፍ ኢሉ ተመለሰኒ።“ዎ ደሓር ነቲ ሽቓቕ ምስረኣየት፡

‘ታይ ክብለካ’ሞ እየ!? ኩላ ሰብ ኣእውያ…! ኣልምም! ‘ቲ ኸባቢ ሲኦል እምበር ምድሪ ኣይመሰለናን!”“እንታይ ዲኹም ርኢኹም?”

ተሃንጥየ፡ ሕቶ ሰው ኣበልኩሉ።“ኣወለን፡ ኣብ’ቲ ኣፍደገ ሽቓቕ ናይ

ኢድ ጓንቲ ንርኢ። ሕጂ’ዚ ጓንቲ ደም ዝተጸያየቐ’ዩ። ኣፍደገ ናይ’ቲ ሽቓቕ ናይ ጨርቂ መጋረጃ ኣለዎ። ሕጂ ዓብደላ ነቲ መጋረጃ ስሕብ እንተበሎ፡ ኣብ’ቲ ምድሪ ናይ’ቲ ሽቓቕ ደም ልክዕ ከምዚ ማይ ክዛሪ ንርኢ…” ምስ በለ ክቕጽል ኣይከኣለን። ኣብ ኣዕይንቱ ክሰርብ ዝጸንሐ ንብዓት ምዝራብ ክሳብ ዝሓምቕ ገበሮ።“ሽዑኸ?” ክሳብ ዝሃድእ ተጸብየ፡

ሓተትኩዎ።“እንታይ’ሞ ክብለካ’የ፡ ደም

ዝተጸያየቐ ጓንቲ ምስረኣና፡ መዓት ደም ክፈስስ ምስ ረኣና፡ ርእሲ ሰብ ኣብ’ቲ ሽቓቕ ወዲቑ ምስ ረኣና፡ በስ ኣነ በዛ ነብሰይ እንዳ ማቻላዮ ጥራይ ኢለዮ። ምሽ ኣለካ’ዚ መሕረዲ ከብቲ! በስ ካልእ ኣይበልክዎን…” ንሱ እንክጸዊ ቃላቱ ጥራይ ዘይኰነ፡ እተን ዝፈዘዛ ኣዕይንቱን ዝገታተር ሰራውር ገጹን፡ ብዝረኣዮ ክሳብ ክንደይ ከምዘስደመመ የንጸባርቕ።“እቲ ክሸይን ዝበለ ደኣ እንታይ

ገበረ?” ስለዘርመመኒ ህውኽ ኢለ ሕቶይ ቀጸልኩ፡ “በስ ገዲፍዎ። ኩላ ሰብ እንድያ

ብስንባድ ኣፋ ዓቢሳ፡ ከብዳ ሓቚፋ። ነቲ እናረኣኻ ሽንትኻ ምዕቋር ቀሊል’ዩ። ዎ ኣይመጸልካን ከማን!” ክብል ነቲ ክስተት ደምደሞ።ምሸት ኰነ። ማዕጾ ናይ’ቲ ክፍሊ

ፈግ ምስ በለ ዑመር (ዋና ናይ’ቲ ሰባት ዝነግድን ዝሓርድን ትካል) ንውሽጢ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ’ቶም ግዳያት ተገተረ። “ዓብደላ!” ክብል ተዳህየ’ሞ እቲ

ተርጓሚኡ ዓብደላ ኣብ ጥቓኡ ብምምጻእ ደነነ። ዑመር ብቛንቋ

14 ክፋል

ኤልያስ - እቲ ውጻእ መዓት

ዓረብኛ ጨደረ። ዓብደላ ድማ ልእም ኢሉ በቲ ጸያፍ ልሳኑ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጐሞ። እዚ እንክኸውን እቲ ንኽልተኡ ቋንቋታት ዝመልኽ ኤልያስ ነቲ ድራማ ይከታተሎ ነበረ።“ሕጂ ሃንደበት እቲ ዋና - ዑመር

ይኣትወና። ‘እዚ ኣርብዓ ሽሕ ዶላር እንተስ ተሓሪድኩም እንተስ ነዲድኩም ከተምጽእዎ ኢኹም’ ይብል። ዓብደላኸ እንታይ ኢሉ ይትርጉሞ መስልካ? ‘ኣርብዓ ሽሕ ከተምጽኡ ክጽበየኩም’የ’…” ነዚ እንክብል፡ ብምቕልልናን ለውሃትን ዓብደላ ዝተመሰጠ ኤልያስ ብዙሕ ኣመስገኖ።“ሕጂ….ዑመር ቅድሚ ምውጽኡ

‘ዓሰርተ መዓልታት ሂበኩም ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ’ዚ መዓልቲ ኣርብዓ ሽሕ ዶላር ኣብ ኢደይ! እንተዘየለ ዕጫ’ዞም ኣብ ቅድመኹም ዘለዉ ክወርደኩም’ዩ!’ ክብል ፈኪሩ ከይዱ። ደሓር ኩልና ድንን ድንን ኢልና…” ድሕሪ ዑመር፡ ሓደ ካብ እኒ

ኤልያስ፡ ነቶም ኣብ’ኡ ዝጸንሕዎም ግዳያት ኣመልኪቱ “ካብ ኣርባዕተኦም ወላ ሓደ’ኳ ገለ ገንዘብ ዝሕውል ኣይረኸበን ማለት ድዩ?” ክብል ነቲ ግዳይ ክንሱ ሳላ ምልከት ቋንቋኡ (ዓረብን ትግርኛን ዝዛረብ ብምዃኑ)

እቲ ዑመር ዝተባህለ ግብጻዊ ሽማግለ ከም ተርጓሚ ዝጥቀመሉ ሱዳናዊ መንእሰይ - ዓብደላ፡ ሓተቶ።“ሓዊሎምሎም’ዮም። ሓደኦም

ሓሙሽተ፡ እቲ ሓደ ሸሞንተ፡ እቲ ሳልሳይ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ሓዊሎም።” መለሰ።“ክንደኡ ሓዊሎም እንተዀይኖም

ድኣ እንታይ ኰይኑ ዘይፍንዎም?”ሕቶኡ ቀጸለ።“ኣቦይ ዑመር ኣርብዓ ሽሕ’ዩ ዝደሊ፡

ትሕቲኡ ንዝኸፍል ወላ እንተለመንካዮ እዝኒ የብሉን … ኣይሰምዓካን’ዩ” ኣርብዓ ሽሕ ዶላር ምኽፋል እቲ እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ኣብርሃሎም።“ያ ዓብደላ እንታይ ትብል!!?

ንመብዛሕትኡ ከፊልካ ንገለ እንተትረፍካ ፍጹም ኣበደን ይብል!!?” ዑመር ኣብ ውሽጡ ንምሕረት ንእሽቶ ቦታ ዘለዎ እንተዀነ ምእንቲ ከረጋግጽ።“ኣቦይ ዑመር ኣይፈለጥካዮን

ኤልያስ ሓወይ! ህላወናን ሞትናን ንዕኡ ወላሓደ ኣይኰነን። ከማን.. እንተሞትና ይሕሾ…. ኣይነውርየሉን” ዓብደላ ብዛዕባ ዑመር ሓቂ ኣፍለጦም።“እሞስ ኣርብዓ ሽሕ ከፊልና’ውን

ትርጉም የብሉን…ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና!” ቃላት ናይ’ቲ

ተስፋ ዝቘረጸ መርሃዊ ነበረ።“ከምዚ ትብሎ እንተዀነስ ሓቁ’ሎ

መርሃዊ!” ካልእ ሓደ’ውን ናይ ቅብጸት ደገፍ ሃበ።“ዓዑስቡላህ! ከምኡ ኣይትበሉ!

ረቢ ኸ ኣበይ ምስ ከደ!!? ክንድሕን ኢና ኣጆኹም! ተስፋ ኣይትቑረጹ!” ቀዲሙ ብዘምሎቖ ሓቂ ዝተጣዕሰ እናመሰለ ዓብደላ ከጸናንዖም ፈተነ።“ሕጂ ከመይ’ዩ ዘሎ ኩነታትና!!?”

ኤልያስ ነቲ ኣርእስቲ ኣሕጸሮ፡ ነቲ ምቕሉል ዓብደላ ዓይኒ ዓይኑ እናተመልከተ። ዓብደላ ንኣሰራርሓ ትካል ዑመር

ተመኵርዎ ነበረ። ነዚ ተገንዚቡ ድማ’ዩ ኤልያስ ዝሓተቶ።“ወላሂ… ኣብ’ዘን ዓሰርተ መዓልቲ

ክንጓየ ኣለና። እዚ ጨካን ኣቦይ ዑመር ኣብ ከክልተ መዓልቲ ‘ቸክ’ ክገብር ክመጽእ’ዩ…ሓዊልኩም ወላ ኣይሓወልኩምን ክፈልጥ!?”ድሕሪ ምባል ነተን የማን ጸጋም

ክውርውረን ዝጸንሐ ኣዕይንቱ ናብ’ቶም ቀዲሞም ግዳይ ዝዀኑ ኣርባዕተ መንእሰያት ሰደደን። “ያኸ! መሻኺን እዚኦም ተርእይዎም

ኣለኹም… ሰባቢሮምዎም’ዮም! ዎ ጽባሕ ከማን ቈጸራ ኣለዎም!” ናብ’ቶም ኣብ ሓደ ጸግዒ ተገምሲሶም ዝነበሩ

ኣርባዕተ ኤርትራውያን መንእሰያት (ዓብደልቃድር፡ ኣስመሮም፡ ኣለምን በርሀን) ከብል ሓፍ እናበለ።“ናይ ምንታይ ቈጸራ?” ኤልያስ

ነቶም ካልኦት’ውን ወኪሉ ሓተተ።“ያኸ! ነቲ ብቐዳማይ ዝሓወልዎ

ወሲኾምሉ ወላ ኣይወሰኹሉን ክፍትሽ!” ብስቅቕታ ተዛሪቡ ከደ። እታ መዓልቲ ሓለፈት። ለይቲ’ውን ወደቐ።ዑመር - እቲ ብደም ኣእላፍ ንጹሃት

መንእሰያት ተሓታቲ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣኸቲሉ፡ ጋሕጋሕ ነቲ ገዚፍ ማዕጾ ፈግ ኣበሎ። እቲ ፍጻሜ ንእኒ ኤልያስ ኣርዓዶም። ህይወት’ቲ ትካል ንዝርዳእ ዓብደላ ግን ንቡር ነበረ። ንሱ፡ በተግ ብምባል ርእሱ ኣድኒኑ ኣብ ቅድመኦም ቈመ። “ካብ’ዞም ሰብ ቈጸራ (እቶም

ኣርባዕተ) ዝሓወለ ኣሎዶ?” ዑመር ኣፍልቡ ነፊሑ ሓተተ።“ዝሓለፈ እንተዘይኰይኑ ሕጂስ

ኣይወሰኹሉን ዓምና!” መለሰ ዓብደላ ምሉእ ለይቲ ክሽቑረረላ ንዝሓደረ ሕቶ። ሽዑ እቲ ገበነኛ ሰብኣይ “ያላ!” ክብል ኣዘዘ።ኤልያስ ነዚ ፍጻሜ እንክዝክር “ዎ

ሕጂ እዚ ሰብኣይ ኣሰባሕ ምስ መጸ እንታይ ይኸውን መስለካ እቲ ጉዳይ - ቈጸራ ናይ’ቶም ኣብኡ ጸኒሖምና ዝበልኩኻ ኣርባዕተ። ሕጂ‘ዚኦም ኣቐዲሞም ገለ ገንዘብ ሓዊሎም’ዮም፡ ኣብ’ዛ ናይ ቈጸራ መዓልቲ ግን ኣይወሰኹሉን…” ንደሃዩ ከትሕቶ ጸኒሑ፡ ሃጠመ።“ሽዑ ኸ?” ዘጋጠመ ምእንቲ

ክፈልጥ።“ያኸ! እንታይ’ሞ ኽብለካ’የ!?...

ኣወለን፡ ኣብ’ቲ ገዛ ከምዚ ናይ እንዳ ስጋ ጋንሾ ኣሎ። ነርባዕተኦም በቲ ናቶም ሰንሰለት ኣብ’ቲ ጋንሾ ሰቒሎሞም። ካብ’ኡ ሸሞንተ’ዮም እቶም ሰብ ኣባትር፡ ዓዓሰርተ በትሪ ኣብ ክሳዶም ይሃርምዎም። ድሕሪ’ዚ በስ ኩሎም ዕጽፍ ዕጽፍ ኢሎም…!” ተቓሊሱ ይዛረብ ምንባሩ ዝኰላለፍ ደሃዩ መስከረ። “ሽዑ ኸ?” ክሳብ ዝረጋጋእ ተጸብየ

ናብ ሕቶይ ዝተመለስኩ።“ሕጂ ካብ’ኦም እቲ ራብዓዮም -

እንተዘይረሲዐ በርሀ’ዩ ስሙ፡ ካብ ፈለማ ወላ ሳንቲም ኣይሓወለን ነይሩ። ሕጂ ንዕኡ፡ ‘ክነርእየካ ኢና’ እናበሉ፡ ፈልዮም የጸግዕዎ። ደሓር ሓደ ካብ’ቶም ሰብ ኣባትር ደገ ከይዱ፡ እንታይ የምጽእ መስለካ!?”“ሕራይ. . .?” ክሳብ ዝቕጽለለይ

ምጽባይ ሓመቕኩ።“ላምባን ላይተርን። ሽዑ ኣነ ኣታካ

ዓይነይ ዓሚተ…”

ይቕጽል….

“40 ሽሕ ዶላር እንተዘይከፊልኩም፡ ሂወትኩም ኣብ ኢድኩም!”

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 4

ታደሰ ተኽለ

ግዜ መርዓይ እናተቓረበ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ግና ኣብ ክንዲ ታሕጓስ ብስክፍታ እየ ተመሊአ ዘለኹ። ብዛዕባ ጾታዊ ርክባት ክዕለል እንከሎ ፍርሒ እዩ ዝስመዓኒ። እንዳ ወዲ ዝኸደላ ለይቲ ዝብህርር ጥራይ ኰይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ብሰንኪ ባህርያተይ ሓዳረይ ክዝረገኒ እውን ኣይደልይን’የ። ከመይ ገይረ ነዚ ፍርሒ እዚ ክሰግሮ እኽእል? ወዲ ኣብ ግዜ ሕጽኖቱ ከም ዝስረይ እፈልጥ’የ፣ ጓል ከ ትስረይ ድያ? እንታይ እንተገበርኩ ይሕሸኒ?

ስመይ ንዓኹም ጥራይ

ካብ ከረንዝኸበርኪ ሓታቲት ኣብ ኣእምሮኺ

ዝመላለስ ዘሎ ናይ ፍርሒ ስምዒት ካብ መዓስ ከም ዝጀመረኪ፡ መበጋገሲኡኸ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይገለጽክን። ካብ ቍልዕነትኪ ክሳዕ ብጽሕነትኪ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዘይፍታውኪ ዝወረደ ማህሰይቲዶ ነይሩ ይኸውን? እቲ ዝስመዓኪ ዘሎ ፍርሒ ‘ብዕላል ጥራይ ዝተፈጥረ’ ድዩ ዝሓለፍክዮ ተሞኵሮ እውን ይህሉ ይኸውን? ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሕጽኖት፡

ንመርዓዊ ምቕራብ ዝኣብያ መርዑት ኣለዋ። እታ ንመርዓዊ ምቕራብ እትኣቢ መርዓት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ መርዓዊ ሌላ ዘይነበራን ነቲ መርዓዊ ዘይትፈልጦን ኰይና’ያ ትጸንሕ። እዚ ኣብ ገጠር ብቤተሰብ

ተሰርየ ደኣ ከይከውን

ኣብ ዝግበር ባህላዊ መርዓታት ዝረአ ተርእዮ’ዩ። እዚ ኣብ ኣዋልድ ዝረአ ተባዕታይ ናይ ምፍራሕ ኩነታት ኣብ ወዲ ተባዕታይ ኣይረአን’ዩ። ወዲ “ከም ዝስረይ ይፈልጥ እየ” ዝበልክዮ ኩነታት ግና ካብቲ ኣብ ኣዋልድ ዝፍጠር ፍርሒ (phobia) ዝተፈልየ እዩ። እቲ ተባዕታይ ነታ ጓል ኣይጸልኣን። ግና ጠንቁ ንጹር ብዘይኰነ ምኽንያት ክቐርባ ክብል ጾታዊ ስምዒቱ ረሸሽ ይብሎ (impotency)። ስለዚ ክልቲኡ ዝተፈልየ ኩነታት ምዃኑ ክንዕዘብ ንኽእል ኢና።ኣብ ሰብ ሓዳር ኣንስቲ ዝፍጠር

ስምዒት ናይ ሙማት ተርእዮታት (frigidity) ካብቲ ንስኺ ትብልዮ

ዘለኺ ስምዒታት ዝተፈልየን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ዝመጽእን ስለ ዝዀነ ኣብዚ ምዝርዛሩ ኣየድልን።እምበኣርስ እቲ ኣባኺ ዝሰመዓኪ

ዘሎ ፍርሒ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ክኸውን ኣይክእልን። ነቲ ባህርያዊ መስርሕ መውስቦ ንምንታይ ትፈርሕዮ ኣለኺ? እዚ ፍርሒ እዚ ክገድፈኪእንተኾይኑ ኣብ ኣእምሮኺ ዝሰረጸ ጠንቂ ፍርሒ ክእለ ኣለዎ። ኣብ ሓቀኛ ፍቕሪ ድማ ፍርሒ የለን። እቲ ሓዳር ትደልይዮ ከም ዘለኺ ኣብቲ ደብዳቤኺ ገሊጽክዮ ኣለኺ። ስለዚ በዓል ሞያ ስነ ኣእምሮ ዝህበኪ ምኽሪ ምእንቲ ክትሰምዒ ብኣጋ ክኢላ ናብ ዝርከበሉ ቤት ሕክምና ክትከዲ ነተባብዓኪ።

ክልተ መዓልቲ እናጸቐጥኩ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ’የ ደገ ዝወጽእ። ንኣብነት ሰኑይ እንድሕር ወጺአ፡ ካብኡ ቀጺለ ሓሙስ’የ ዝወጽእ። ገለ ሰባት እዚ ምድንጓይ እዚ ሕማም ከምጽእ ከም ዝኽእል ደጋጊሞም ይሕብሩኒ። ሕማም

ከስዕበለይ ዝኽእል እንተዀይኑ ከመይ ገይረ ከመዓራርዮ

ብስሩዕ ቀልቀል ዘይምውጻእ ሕማም የስዕብ ድዩ?

ይኽእል?ስመይ ይትረፍ ካብ መንደፈራ

ኣብ ደብዳቤኺ ከም ዝተገልጸ ክሳዕ ሕጂ ትፈልጥዮ ሕማም የብልክን። ሓደ ሰብ ሰሙናዊ ወይ መዓልታዊ ደገ ክንደይ ሳዕ

እወጽእ ዝብል ሕቶ ምስ ጥዕና ኣቲ ሰብ ክተኣሳሰር እንድሕር ኰይኑ

ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራታት ክገብር ኣለዎ። ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ሰለስተ ግዜ ዝወጽእን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝወጽእን ክልቲኦም ጥዑያት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ንስኺ ሒዝክዮ ዝጸናሕኪ ልምዲ ክሳዕ ሕጂ ዘስዓበልኪ ሕማም የለን። ስለዚ እዚ ልምዲ’ዚ ብናይ ሰብ ድርኺት ክትቅይርዮ ኣይትግደድን። ዛጊት ድርቀት ዘይገበረልኪ እንተዀይኑ፡ ቅርጸት ወይ ደም ዝተሓወሶ ዝዀነ ናይ ሕማም ምልክት ዘለዎ ቀልቀል እንተዘይሃልዩኪ፡ እቲ ሒዝክዮ ዘለኺ ልምዲ ንዓኺ ንቡር ክኸውን ይኽእል። ግና ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረኪ

እንተዀይኑ፡ ሓድሽ ተርእዮ ስለ ዝዀነ ኣብ ጥዕናኺ ክመጽእ ዝኽእል ሓድሽ ለውጢ ድማ ተዓዘቢ። ቅርጺ ናይ ቀልቀልኪ ዝተቐየረ እንተዀይኑ፡ ዓፍራ እንድሕር ሃልይዎ፡ መንፋሕቲ ዝስመዓኪ እንተዀይኑ ሓገዛት ሕክምና ክትሓቲ ኣለኪ።

ሕቶ- ንዓሶ ዝምልከት ክታበት ተመስሪሑ ዝበሃል ዜና ኣብርሁለይ። ኣብ ዓሳው ቦታ ስለ ዝነብር ዋላ’ኳ ጥንቃቐታት እንተገበርኩ ኩሉ ሳዕ ብዛዕባ ደቀይ ስክፍታ ኣለኒ።

ረዛን ከባቢ ተሰነይ

መዓስን በየናይን ማዕከን ዜና ዝሰማክዮ ዜና ኮን ይኸውን? ክታበት ዓሶ ይምስራሕ ከም ዘሎ፡ ጽቡቕ ተስፋታት ከም ዝተረኽበ ዝሕብሩ ሓያሎ ዜናታት ክቃልሑ ጸኒሖም እዮም። ሓደ ኣብ ብሪጣንያ እቲ ካልእ ሲንጋፖር ዝርከቡ ትካላት ምርምር መከላኸሊ ዓሶ፡ ኣብ ምምስራሕ ከም ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላላየ ግዜ ተቓሊሑ ነይሩ። እቲ ናይ ሲንጋፖር ኣብ ዕዳጋ ክሳዕ ዝዝርጋሕ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝወስድ ብኣጋ ኣፍሊጡ ኣሎ።ናይ ዓሶ ጀርም ናብ ደም

ሰብ ምስ ኣተወ ኣብ ዋህዮ ቀይሕ ደም ኣትዩ ሕማም ከየስዕብ ዝኽልክል ብልሓት ከም ዝረኸቡ’ዮም ክኢላታት ሲንጋፖር ዝገልጹ። እቲ ጀርም ናብ ዋህዮ ቀይሕ ደም እንተዘይኣትዩ እቲ ሰብ ብዓሶ ክተሓዝ ኣይክእልን ማለት’ዩ። እዚ ብልሓት እዚ ንኻልእ ዝማዕበለ ምርምር እውን ኣፍ ደገ ክኸፍት ከምዝኽእል ይእመነሉ። እቶም ክኢላታት

ክታበት ዓሶ ተመስሪሑ ዝበሃል ሓቂ ድዩ?

ኣብዚ ውጽኢት ክበጽሑ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል መጽናዕቲ ከም ዘካየዱ ይገልጹ። እቲ ኣብ ብሪጣንያ ተበጺሑ

ዝተባህለ ውጽኢት ምርምር እንተዀነ እውን ሚእቲ ካብ ሚእቲ

ክከላከል ዝኽእል ኣይኰነን። ቢቢሲ ብዘቃልሖ ጸብጻብ፡ እቲ ዝተኻየደ ፈተነ ኣብ ናጽላታት 25 ሚእታዊት ኣብ ዓበይቲ ድማ 50 ሚእታዊት ክከላኸል ከም ዝኽእል’ዩ ተፈሊጡ ዘሎ። ካብቶም ዝተኸትቡ ናጽላታት እቶም 25% ዓሶ ኣይሓዞምን ማለት’ዩ። እቲ ፈተነ ኣብ 15,500 ቈልዑ

ሾውዓተ ሃገራት እዩ ክካየድ ጸኒሑ። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ድማ ካብ ደቂ ዓመትን ፈረቓን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዘለዉ ካብ ዝተኸትቡ ቈልዑ እቶም 46 ሚእታዊት ብዓሶ ከይተታሕዙ ጸኒሖም። እቲ ትካል ኣፍራዪ መድሃኒት ኣብ 2015 ናብ ዕዳጋ ምእንቲ ክዝርግሖ ፈቓድ ከውጸኣሉ ተስፋ ይግበር።ስለዚ፡ ረዛን ንስኺ እቲ ክሳዕ

ሕጂ ከተካየድዮ ዝጸናሕኪ ብሚኒስትሪ ጥዕና ክንገረኪ ዝጸንሐ ኣገባብ ምክልኻል ዓሶ ከየቋረጽኪ ቀጽሊዮ። ዝሓሸ ክታበት እንተተማህዘ ድማ ማሕረ።

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 5

ምሕረትኣብ ፍስሃየ

እታ ኣብ ሓደ ገምገም ጸድፊ ናይ ሓደ በሪኽ ታባ ደው ኢላ ዝነበረት ጎርዞ፡ ነታ መጎልበቢታ ሻለ ካብ ኢዳ ከይትመልቋ ዝፈርሐት ክትመስል ዓትዒታ ሒዛታ ትረአ። እቲ ዘለል ኢሉ ዝነበረ ክፋል ናይ’ታ ሻለ ድማ፡ በቲ ናይ ሰሜናዊ ምብራቕ ሽውሽውታ እናምበልበለ ካብ ኢዳ ከምልጥ ዝቃለስ ዘሎ መሰለ። እዛ ጎርዞ፡ ኣብ’ቲ ቦታ እንከላ ንዝረኣያ ሰብ፡ ካሜራኡ ኣዋዲዱ ንሞዴልነት ክስእላ እተወናውን’ያ ነይራ። ኣብ’ቲ ዝነበረቶ ቦታ ግን ይትረፍዶ ካሜራ ዝሓዘ ሰኣላይሲ፡ ካልእ ዝንቀሳቐስ ሓላፍ መንገዲ’ውን ኣይረአን። ጸጒሪ ርእሳ ብንፋስ ፊልፊል እናበለ ኣብ ገምገም ጸድፊ ደው ዝበለት ጎርዞ ጥራይ ነበረት ኣብ’ቲ ቦታ። ብትሕቲኣ ሸለው ዝበለ ስንጭሮ፡ ብሩህ ሰማይ ኣሎ። ካብ ዓይና ድማ ሓንቲ ፍረ ጸረርታ ንብዓት ብምዕጉርታ ኮረር እናበለት ናብ’ቲ ብሕትው ባይታ ትወርድ ነበረት።እታ መጎልበቢታ ጸሊም ዝሕብራ’ያ

ነይራ። ጸጒሪ ርእሳ’ውን እንተኾነ ጸለሎ’ዩ ዝመስል። እንሆ ሎሚ ካብ

ኣበሰኛታት

ፍቓድ ወለዳ ወጻኢ፡ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ንፈለማ ግዜ፡ ጸጒሪ ርእሳ ዝኾነ ጨርቂ ከይሸፈኖ ብፍኑው ዘንፈልፈል ክብል ሓዲጋቶ። ኣብ’ቲ ሓደ ኢዳ ከኣ፡ ነታ ሻለ

ከረው ኣቢላ ብዝጨበጠትሉ ሓይሊ፡ ስእሊ ናይ ሓደ ብሩህ ፍሽኽታ ዝንጸባረቖ በጽሒ ሒዛ ነበረት። ኣብ’ዚ ስእሊ፡ እዛ ጎርዞን እቲ በጽሒን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ደው ኢላትሉ ዘላ ቦታ፡ ደው ኢሎም ዝተሳእሉዎ ምስሊ’ዩ ዘሎ። እቲ በጽሒ ከኣ፡ በቲ ድልዱል ናይ ጎበዝ ኢዱ፡ ሽምጣ እናደረዘ ኣትሪሩ ሓቚፉዋ ትረአ። እታ ጎርዞ ብግደኣ፡ ብሕቚፊ ናይ’ቲ ዓንተር መንእሰይ፡ ብቕዕቲ ሰበይቲ ምዃና ተፈሊጡዋ ከምተፈስሀት ካብ ምስላ ብቐሊሉ ክንበብ ይከኣል ነበረ።ዝኽሪ ናይ’ቲ ሽዑ እዋን ዘሰንበዳ

ጨዳሪ ድምጺ፡ ከም መቓልሕ ኮይኑ ኣብ ኣእምሮኣ ደጋጊሙ ኳሕኩሐ። እቲ ጨዳሪ ድምጺ ካብ’ቲ ትሕተ-ንቑሕ ዝነበረ ኣእምሮኣ ዝመንጨወ ናይ ሓንቲ ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ’ዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ወዲ ክትፈላለን

ዳግማይ ከይትርእዮን ዝእዝዝ ሃዳዲ ድምጺ ድማ’ዩ ነይሩ።ኣብ መንጎኡ ካብ’ታ ሓንቲ ዓይና

ካልእ ጸረርታ ንብዓት ኮረር እናበለ ወረደ። ልባ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ቃንዛ ተሸኪማ ከምዝነበረት ዝምስክር ጸረርታ ንብዓት’ዩ።ብውሽጣ፡ ‘ሕጂ ፈጽምዮ!

እንታይ ከምዝበደሉኺ ድማ ሽዑ ክርድኦም’ዩ’ ዝብል ድምጺ ክህውኻ ተፈለጣ።

ወለዲ ናይቲ በጽሒ’ውን እንተኾኑ ኣፍቃሪኣ ናብኣ ገጹ ንኸይቀርብ ኣብ ምኽልካሉ ካብ ወለዳ ዘይሕሹ ነቓጻት ምንባሮም ኣይጠፍኣን። ኩሎም’ቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ፡ ክርስትያንን ኣይሁድን ክዋሰቡ ከምዘይክእሉ ዝማጎቱ’ዮም። ነናቶም ባህሊ፡ ክልተ ቅዲ መነባብሮ፡ ክልተ ተጻይ ባህርያት፡ ሓንቲ ናይ ሓባር ቅድስቲ ከተማ ጥራይ ሒዞም’ዮም ክጓዓዙ ዘለዎም። እታ ጎርዞ ናብ’ቲ ኣብ ትሕቲኣ

ዝነበረ ሸለው ዝበለ ስንጭሮ ጠመተት። ኣዝዩ ዓሚቚ ስንጭሮ እዩ። እቲ ክትርእዮ ዝኸኣለት፡ ረጋሕ ጽፍሒ ናይ’ቲ ንሕስያ ዘይብሉ ዕምቈት ጥራይ’ዩ ነይሩ። ንታሕቲ ምስ ጠመተት ከኣ፡ እቲ ኣብ ባላ መሓዂልታ ዝስምዓ ጸላዕላዕ ዝብል ልሙድ ቃንዛ፡ ክጅምራ እንከሎ ተፈለጣ። ርእሳ መንጸሮር ስለዝሓዛ፡ እንታይ ከምዝስዕብ ተረዲኡዋ፡ ፍርሃታ ወሰኸ። ኣዒንታ ማይ መሊኦም፡ ኣምዑታ’ውን ምርጋእ ስኢኑ ነቲ ኣቐዲማ ዝበልዓቶ መግቢ ንደገ ምስ ፈነዎ፡ በሊሕ ጸጸር ነእዳዋ ክወግኣ እናተፈለጣ፡ ብኢዳ ተደጊፋ ዘርጋሕ በለት። ትንፋሳ ቁርጽ ቁርጽ

በለ፡ ምድረ ሰማይ ከኣ ጽልምት በላ። ሒደት ጥቕላላት ናይ ጸጒራ ፊልፊል እናበለ ስለዘሸገራ ግን ተማዊታ ኣብ ጉንዲ እዝና ሰዂዓቶ።ንፋስ ኣብ ገጻ ሽውሽው ክብል

ምስ ጀመረ፡ ብህድኣት ኣዒንታ ሰም ኣቢላ፡ ሓይላ ንምእካብ ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት። ኣብ’ቲ ዝስምዓ ከተተኲር እናተቓለሰት፡ ኣፋን ረሃጽ

ገጻን በቲ ካቦታ ገይራ ጸራረገቶ። እቲ ዝገርም፡ ነቲ ስንጭሮ ከምቲ ንሞት ገይራ ዝደለየታ ኣይደለየቶን። ልዕሊ ኩሉ ግን ንፍቃሪኣ’ያ ደልያ- ነቲ ኣብ’ቲ ፎቶ ምስኣ ዘሎ ወዲ። ምስኣ ክህሉ ከም ሕሱም ደልያቶ ነበረት። ከመይ ኢላ’ያ እሞ ብዘይብኡ ክትነብር?ንፋስ ይፋጺ’ኳ እንተነበረ፡ ኣዒንታ

ግን ብኽዱነን’የን ነይረን። ከብዳ ካብ ሕሱም ጥሜት ዝተላዕለ፡ ቅርጸት ተሰምዓ። ኣእዳዋ’ውን ረድረድ ክብላ ጀሚረን ነበራ። ወያ ጎርዞ ዳግማይ ኣዒንታ ከፊታ፡

ነቲ ብሚልዮን ሕብርታት ጸሓይ ዕራርቦ ወቂቡ ዝነበረ ናይ ምሸት ሰማይ ክትርኢ በቕዐት። ናይ ብሓቂ ግን ነዛ ዓለም ክትሰናበታ ድያ ደልያ? ንወለዳኸ እንታይ ከተርእዮም’ያ? ኣይሁዳዊ ከምዘፍቀረት?. . . ካብ’ቲ ዘላቶ ገደል ጸዲፋ እንተዘይሞተት ከ እንታይ’ያ ክትገብር? ኣብ ጎደናታት እየሩሳሌም ብዓረብያ ስንኩላን እናተደፍአት፡ ብስድራኣ ተፈንፊና፡ ፈተውታ እናደንገጹላ ተኾርምያ ዕድመኣ ክትቈጽር ክትነብር?ካብ’ቲ ተገምሲሳቶ ዝነበረት

ክትንስእ ፈተነት። ኣይከኣለትን፡

ተመሊሳ ተገምሰሰት። እንደገና ፈቲና ግን ተዓወተት። ደምበርበር እናበለት ሒደት ስጉምታት ክትከይድ ድሕሪ ምፍታና ህድእ ኢላ ክትጸንሕ ወሰነት። ዓሚ ካብ ሓደ ዱኳን ናይ ስነ-ጥንቲ ዝገዝኣታ ንእሽቶ መስትያት ካብ ጁባ ጃኬታ ኣውጺኣ ከኣ፡ ነቲ ጒልባብ ዘይብሉ ጸጒራን ገጻን ክትፍትሽ ጀመረት። ከናፍራ ቀይሕ ናይ ከንፈር ሕብሪ ዝተለኽያ ምሉኣት’የን ነይረን። ከበሮ ዓይና’ውን ብሰማያዊ ሕብሪ ወቂቡ ነበረ። ክልቲአን ምዕጉርታ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቡናዊ ካራሜላ ዝሕብሩ ቈርበታ ቀይሕ ሽብርያ ተለኽየን ነበራ። እቲ ጥርሑ ዝነበረ ከስዐኣ ዓዝዓዝን ዓባይን እንተዘየምስላ ነይሩ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናተይ ኢሎም ክኾርዑላ ዝኽእሉ ዓይነት ሰበይቲ’ያ ነይራ። እዚ ኩሉ ግን ንፍርሃታ ክኽውሎ ኣይከኣለን።ቅርሕንቲ፡ ጥልመት፡ ጓሂ፡

ተስፋ ምቚራጽ፡ ኩሎም’ዞም ስምዒታት’ዚኣቶም፡ ተኣኪቦም ገምቢ ክመናጠሉ ከምዘዕለብጡ ኣሞራታት ሰማይ፡ ንሂወታ ከቢቦማ ነበሩ። ኣብ’ዚ ፈታኒ እዋን’ያ እምበኣር፡ ነቲ ናይ መዋእል ፍቕራ ዝደለየቶ።“በጃኻ፡ ብውሕዱ ነዛ እዋን’ዚኣ

ጥራይ’ኳ፡ ሓቅነት ህላወ ወዲ ሰብ፡ ነዚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዘይረብሕ ናይ ጽልእን ግርጭትን ፖሊሲ ክስዕሮ ፍቓድካ ይኹን! እዛ ቅድስቲ ከተማ’ውን ንጽድቂ ትመስክር!!”ብምባል ኣላህ፡ የሆዋ፡ እግዚኣብሄር፡ ወይስ ብራህማ፡ መን ይኹን ብዘይገድስ፡ ጸሎታ ክሰምዕ ናብ ዝኽእል ህላወ ተማህለለት።ኣብ መንጎኡ ሓንቲ ኢድ

ኣብ መንኩባ ዓለበት። እታ ጎርዞ ብስንባደ ዘሊላ ንድሕሪት ምስ ጠመተት፡ ንገጻ ብሩህ ፍሽኽታ’ዩ ተቐቢሉዋ። ለውሃት፡ መርዓን ደስደስን ዘንጸባርቓ ፈቃራት ጽምዲ ኣዒንቲ’የን ጸኒሐንኣ። ንወናኒ ናይ’ተን ኣዒንቲ ተጠምጢማ ብምሕቋፍ ንተሪር ሕቚፎኡ ኣስተማቐረት። ሽታ ናይ’ቲ ንጹህ ቈርበቱን ሽዑ ዝተመገቦ ኮሸርን(ናይ ኣይሁዳውያን ሃይማኖታዊ ሕጊ ዘማልአ መግቢ) ሃገግ ኢሉ ነቲ ኣየር ክመልኦ ተፈለጣ። ክሳብ ጫፍ ናይ’ቲ ጸድፊ ነዊሕ ከምተጓዕዘትን፡ ምስ ኣዝዮም ነቓጻት ስድራ ብቐሊሉ ዘይፍታሕ ባእሲ ከምዘትረፈትን’ውን ኣይዘንግዓቶን።ካብ ሕቚፋ ምስ ፈነወቶ ድማ፡

ንሓድሕዶም በራእሶም ተጎዛጒዞም ብዛዕባ መጻኢ እናሓሰቡ መንፈሶም ብሓደ ክጽንበር ተፈለጦም። ኣዒንታ ከፊታ ከባቢኣ እንተተዓዘበት ግን፡ ኣደኣ ካብቲ ዝንበሩዎ ቁሩብ ምሕድግ ኢላ ናብኣ ገጻ ክትጥምት ረኣየታ። ኣቦ’ቲ በጽሒ ብወገኑ ቆቢዑ ዓቲሩ ይበኪ ነበረ።ኣብ ኩለን’ዘን ኣዒንቲ’ዚአን፡

ውላዶም ንኣፍቃሪኣ ክትብል፡ ሂወታ ከተሕልፍ ድውቲ ምንባራ ብምስትውዓል ቃንዛ ይንበብ ነበረ።በቲ ሓደ ወገን ከኣ እዛ ጎርዞ

ምድሓና ዝረኣያ ኣዒንቲ ፈተውታ ሓጎስ ዓሲሉወን ነበረ።እቲ በጽሒ፡ “ንዒ ናባይ ክንላዘብ

ፍቕረይ!!” ብምባል ካብ’ቲ ገምገም ጸድፊ ሒዙዋ ወረደ።

ዋዛ ፍቕሪ

ካልኣይ ሕጊ ፍቕሪ ኒውቶን ከም’ዚ ይብል፡“ሓንቲ ጓል ምስ ሓደ ወዲ ዘለዋ መጠን ጻዕቂ ምልውዋጥ ፍቕሪ፡ ምስ’ቲ ናይ’ቲ ወዲ እዋናዊ መጠን ባንክ ሕሳብ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር’ዩ። ብተወሳኺ፡

ኣንፈት ፍቕሪ ናይ’ዛ ጓል፡ ምስ ምውሳኽን ምጒዳልን መጠን ባንክ ሕሳብ ናይ’ቲ ወዲ’ዩ ዝጓዓዝ።”

ኣብ ዓንኬል

ፍቕሪ Do not Resuscitate

Romance ዝብል ሓድሽ ዝተማህዘ ኣበሃህላ

ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ፍቕሪ ክምስርቱ ንዝደልዩ ሰባት ክሕግዙ ካብ

ዝተማህዙ ሓረጋት ሓደ’ዩ። መልእኽቱ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት

ንሕሉፍ ፍቕሪ ከተሐድስ ዘይፍቀድ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር። ጉዳም መምርሒ!?

ትእዛዝ ፍቕሪ

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 6

ዝሓለፈ 28 ታሕሳስ 2013

ቀዳማይ ዓመትኪ ዘብዓልኪ

ምጭውቲ ጓልና

ሄርሜላ ሙሴ ተስፋይ፡ እንቋዕ ሓጎሰኪ መጻኢኺ ብሩህ ክኸውን ድማ

ንምነየልኪ!!

ዓባይኪ ዛዩድ ገዛኢ

ምስ ምሉኣት ስድራቤት

c o n g r a

ዳሃብ ዳዊት

ንዕለት

2/01/2014 ቀዳማይ ዓመት

ልደትኪ እተብዕሊ ምጭውትን

ፍትውትን ጓልና ፒሶን መርሃዊ፡

እንቋዕ ኣብቃዓኪ እናበልና

ምሉእ ጥዕና፡ መጻኢ ዕድልኪ

ድማ ብሩህን ትስፍውን

ክኾነልኪ ንምነ!!

happy

birthday

happy

birthday

ኣቦኺ፡ መርሃዊ ደሴኣደኺ፡ ራህዋ በረኸት

ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

እንኳዕ ናብዚ ክቡር ዕለተ ልደትክን ኣብቃዓክን

ጽቡቕ ዕድል ንዓኽን ይብሉኽን፡

ንዕለት 01/01/2014

ኣብ ጀርመን ከተማ

ማሚንገን 1ይ ዓመትክን

እተብዕላ

ማንታ ኣሕዋት ሶልያና ሙሴን ሲና ሙሴን congra

ዮሃና

ኣቦሓጎኽን ኣቶ ኣብርሃ ገዛኢ

ዓባይክን ወ/ሮ ዛይድ ሃብተኣብ

ኣኮታትክን መርሃዊ፡ ኣሮን፡

ያቆብ፡ሪሞን፡ሓትነታትክን ሰላም፡

ዮ ር ዳ ኖ ስ ፡ ፌ ቨ ን ፡ ሳ ሮ ን ጸ ጽ ቡ ቑ

ንዓኽን!!

ካብ ኣኮታትኪ መርሃዊ ኣብርሃ

ያቆብ ኣብርሃ መንደፈራ

ኣቦኺ/ቴድሮስ ተኽለኣደኺ/ ርሻን ገብርሂወትኣሓትኪ ዮርዳኖስ፡ ናጽነት፡

ዲታናከምኡ’ዉን ሺሃብ ኣርኣያ

ወ/ት ፌቨን ቴድሮስ ምስ

ኣቶ/ሳሚኤል የማነ

ብዕለት 10 ሕዳር/2013

ቃል ኪዳን ዝኣሰርኩም ጓልና

ርሑስ ጋማን ዓመተ ሰላምን ብልጽግናን

ይግበረልኩም።

ርሑስጋማ

ዮሃ

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 7

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ነፍስሄር ዓፋ መሓመድን ይማ ሓሊማ መሓመድ ሃመጃይን ካብ ኣብራኾም ዝተወልዱ 12 ቈልዑ ከም ዘለውዎም፡ ምስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሖም ልዕሊ 60 በጺሑ ምህላዉ፡ ካብቶም ሸሞንተ ደቆም ክልተ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለዉ እቶም ሽዱሽተ ከኣ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኦም ዝፈጸሙ ምዃኖም’ዩ ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓሙሽተ ደቂ ደቆም ንኽልቲኣቶም ወለዲ ዕድሚኦም ድሮ ኣብቲ ሃገራዊ ግቡኦም ዘበርክትሉ ከም ዝበጽሐን ነዚ ኣብ ምምላእ ከም ዝርከቡን’ዩ ተሓቢሩ። ተጋ/ መሓመድኣደም “ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ዙርያታት ኢድ እንዳ ዓፋ ኣሎዎ” ኢዩ ዝብል። ብተወሳኺ ኣብቲ 1ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ከም ዝተኣመተ ምዕባይ ሕሳስ ልደ ገዛ በኺት ዓፋ ኣብ 3ይ ወራር ወያነ ጥይት ኣብ ሕመረት ርእሱ- ብሓደ ጎኑ ኣትያ ብኺኖኡ ኢያ ወጺኣ። ከቢድ ስንክልና’ውን ኣሕሊፉ። ብፍላይ እቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኣሰዋውኣኡ ፍሉይ ክብሪ ከም ዝግብኦን ንዝኽሪ’ቲ ጅግና ከኣ ዛንታኡን ዛንታ ቤተሰቡን ይቐርብ ምህላዉ’ዩን ተገሊጹ። ነቲ ታሪኽ ከዘንትወልና ዝተቐረበ 4ይ መትሎ ናይቲ ገዛ ተጋዳላይ መሓመድኣደም ዓፋ ኢዩ። ንሱ፡ ካብ ዘበነ- ንእስነቱ ኣትሒዙ ክሳብ’ቲ ምስ ኣቦመንበር ቀበሌኦም ተባኢሱ ሱዳን ዝኸደሉን ኣብኡ ከም ሓፋሽ ውድባት ዝተወደበሉን’ዩ ኣዕሊሉና። 2ይ ክፋል እንሆ ይቕጽል፦ ኣነ ንኽጋደል ካብ ከረን’የ ተበጊሰ።

ሽዑ መገዲ ዕጹው ኣይነበረን። ትኽ ኢለ ፋና ኣትየ። ቀጺለ ንታሕቲ ወሪደ፡ ብኸባቢ ኣቚርደት ምስ ሓለፍኩ ሰራዊት ረኺበ። ምስኦም’የ ተሓዊሰ። ንሳቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናሰጋገሩ ቀጣን (ሳሕል) ኣእትዮምኒ። ቀጣን በዚ በዓል ዒታሮን ዒላባቡን ዝርከብ ቦታ ኢዩ። ኣብ 1987 መደበር ታዕሊም ቀጣን ተዓሊመ። ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ግና ነዊሕ’የ ጸኒሐ። ካብኡ እውዛዕ። ኣብ ክፍለ- ሰራዊት 70 ኸኣ እምደብ። መራሕቲ ክ/ ሰራዊትና ፊሊጶስን ካካይን’ዮም ነይሮም። ናይ ፈለማ ውግእ ዝተኻፈልኩሉ ኣብ ወለጋ (ኢትዮጽያ) እዩ ነይሩ። ካብዚ ብመኻይን፡ ብመሬት ሱዳን ሓሊፍና ኢና ከይድና። እቲ ውግእ ብዙሕ ከቢድ ኣይነበረን። ምረቱ ኣብቲ ሓርጎጽጎጽ ናይ ጉዕዞ’ዩ ዝነበረ። እቲ ቦታ ኸኣ ዱር ኢዩ። ብኽልተ ጥሪ 1990 ኢና መጥቃዕቲ ጀሚርና። ክሳብ ዕለት 15 ኸኣ ቀጺልናዮ። ኣብዚ፡ እቶም ተጋደልቲ ናይ ውድብ ሓርነት ኦሮሞ ኣብቲ ውግእ ምሳና’ዮም ተጸንቢሮም። ናቶም መራሒ ሓይሊ ምስ ናትና መራሒ ሓይሊ፡ መራሕ

ጋንታ ምስ መራሕ ጋንታ፡ ተራ ኸኣ ምስ ተራ ኢና ተሓናፊጽና። ስልቲ ውግእ ንኽድልቡ ተባሂሉ ዝተገብረ ኢዩ። ኣብቲ ክፍለ- ሃገር(ዞባ) ንዝነበረ ሰራዊት ደርጊ ዳርጋ ደምሲስናዮ ኢና። እታ ዝዓበየት ከተማ ኣሶሳ’ውን ተቘጻጺርናያ። ድሕር’ዚ ከምታ ኣመጻጽኣና ናብ ሃገርና ተመሊስና።ቀጺልና ብቐጥታ ኣብ ስርሒት ፈንቅል

ተሳቲፍና። እቲ ውግእ ብ8 ለካቲት 1990 ኢና ጀሚርናዮ። ኣብዚ’ውን ከም ተዋጋኢ ሰራዊት ተኻፊለዮ። ንጽባሒቱ ኸኣ ተወጊኤ። ጥይት ብላዕለዋይ ኣፍልበይ ኣትያ ብድሕሪት ወጺኣ። ክሳብ ሕጂ’ውን ገዚፍ በሳላ ኣሎኒ። እዚኣ ንነዊሕ እዋን ማዕበስትን ቃንዛን ትገብረለይ ዝነበረትን ዘድከመትንን እያ። ክሳብ ሎሚ’ውን ትስምዓኒ እያ። ዝኾነ ነገር ከልዕል ከለኹን በሪኽ ቦታ ክወጽእን ትሕዘኒ። ብዝኾነ ሽዑ ሓውየን ካብ ሕክምና ናብ ኣሃዱየይ ተመሊሰን።ጸላኢ ባጽዕ ንምምላስ ተደጋጋሚ

ውግኣት’ዩ ዘካይድ ዝነበረ። ኣብ ኩቤይ፡ ብ6 መጋቢት 1990 ዝጀመረን ተደጋጋሚ

ፈተነታቱ ኣብ ምፍሻልን’ውን ኣብኡ ኣለኹ። ብድሕሪ’ዚ ውግእ ኣብ ደቡብ፡ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን’ዩ ቀጺሉ። ውግእ 24 ሚያዝያ 1990፡ ሰዓት 1፡00 ናይ ለይቲ’ዩ ጀሚሩ። ንጽባሒቱ ሰንዓፈ ድሕሪ ምሓዝና ናብ ዓዲ ቀይሕ ተገማጊምና ሓዲርና። 25 ሚያዝያ ኸኣ ዓዲ ቀይሕ ተቘጻጺርናያ። ብ26 ሚያዝያ ድግሳ ሒዝና ናብ ሰገነይቲ ተጸጊዕና። ኣብ ሰገነይቲ ጸላኢ ነታ ከተማ ንኸድሕን ኣሎ ዝበሃል ዓቕምታቱ ኣኻኺቡ’ዩ ኣምጺኡልና። ሽዑ ንሕና ዋሕዲ

ሰራዊትን ኣጽዋርን ነይሩና። ረዳት ክመጸካ ኣይክእልን። ናይ 07 ኣሃዱታት ዝነበሩ ግና ይመስለኒ፡ ጸላኢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩልና። ብተደጋጋሚ’ውን ሃጂሙና። ብፍላይ ኣብ ዕዋነት ብርጌድና ዳርጋ ዘይተወግአ ኣባል ኣይነበረን። ከቢድ መስዋእቲ ኢና ከፊልና። እቶም ናይ ጸላኢ ሚሊሻ ስርናይ ዝነበሩ ዜጋታት ኣቐዲሞም ምሳና ብውሽጢ- ውሽጢ ምትእስሳር ጸኒሕዎም እዩ። ኮታ ኣይትኩሱልና- ኣይንትኩሰሎም። ዳርጋ መምስ ኣጽዋርና ከይተተናኸፍና፡ ክሳብ ሰላም ተበሃሂልና ንመሓላለፈሉ እዋን ነይሩ።

ሕጂ ኣብ ውሽጢ 2- 3 ሰሙን ተወዲቦም ከም ሓደስቲ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎንና ድፍዓት ይሕዙ። በዚ ትንፋስ ተረኺቡ።ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ሰለስተ ክፍላተ-

ሰራዊት ብሓደ ንጸላኢ ኣብ ዝዘብጣሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ክፍለ- ሰራዊትና (እንዳ 70) ዕለት ሽዱሽተ- ወርሒ ሾመንተ 1990 ነቲ ውግእ ጀሚራቶ። ክፍለ- ሰራዊት 52ን 16ን ከኣ ንጽባሒቱ ኣትየንኦ። ኣብዚ ውግኣት’ዚ ኣብ ውጡሕ ብቡምባ ኢድ ዳርጋ ምሉእ ርእሰይ እህረም። ብፍላይ የማነይቲ ዓይነይ ዓጠቕጠቕ ትብል። ሰለስተ ግዜ’የ መጥባሕቲ ገይረላ። ሕጂ ንፎርማ (መልክዕ)’ምበር ኣይትርእን እያ። ርእሰይ’ውን ደቀቕቲ

ስኬጆታት ተዘሪእዎ። እዚ እቲ ዕብይ ዝበለን ዝተወጋእኩሉን’ምበር ኣብ ደቡብ ጥራይ ሰለስተ ግዜ’የ ተወጊኤ ነይረ። ኣብ ውግእ ሰገነይቲን ኣፈልባን’ውን ተሃሪመ ኣለኹ። ኮታ ነንኣሽቱስ ብዙሕ ኢዩ።ብዝኾነ ድሕር’ዚ ናጽነት መላእ ሃገርና

ይኸውን። ኣነ ኣብ 1991 እትው ምስ በልኩ’የ ሓዳር ገይረ። ሕጂ ኣቦ ሸሞንተ ቈልዑ እየ። እታ ዓባይ ጓለይ ኣብ 1995’ያ ተወሊዳ። ቦኽሪ ተጎዲኡኒ ኢዩ። ዝንኣሰ ኸኣ ወዲ ክልተ ዓመት ቈልዓ ኣሎኒ። ምስቲ

ስንክልናይ ኣብ 1994 ተጣይሰ። ድሕሪ ምጥያሰይ ገዛ እናተኻረኹ ኣብ ከም ቤት ብልዒ ዝኣመሳሰለ ንግዲ ፈቲነ። እንተኾነ ኣይጠዓመንን። ምኽኣል’ውን ስኢነዮ። ሕጂ ግራት ናይ ኣቦይ እናሐረስኩን ብጉስነትን እነባበር ኣለኹ። ኣብዚ ወራራት ናይ ወያነ ከምቶም

ብጾተይ ዓቕመይ ከበርክት ዘይምኽኣለይ ይስምዓኒ ነይሩ ኢዩ። እዚ ናይ ስንክልና ወረቐት ንክኸትት ኣየኽእለንን ኢዩ። ኣብ ሰለስቲኡ ወራራት እኸዶም፡ “ተመዝጊብካ ኣሎኻ፡ ኣብ ዝተጸዋዕካዮ እዋን ትመጽእ” ኢሎም የፋንውኒ። ኣብ ማሕበር ስንኩላን

ኣባልነት ኣሎኒ። ልክዕ’ዩ ብሰንኪ ዘሎኒ መውጋእቲ ኣብዚ ማሕበራዊ ህይወተይ- ንጥፈታተይ ድሩት ኢዩ። ዓለም ግና ኩሉ ግዜ ጻዕሪ ኢያ። በታ ዓቕመይ ሓርኮትኮት እናበልኩ ኸኣ ደቀይ አዕቢ ኣለኹ።

ይቕጽል

እቶም መዛኑ ደቂ ገዛውቲ ‘ዓዲ ሓሸል’ንዝኽሪ ጅግና ስዉእ በኺት ዓፋ

“ካብቶም 13 ዉሉዳት ደቀ’ቦይ ዓፋ፡ እቶም ዝንኣሱ ክልተ፡ በኺትን ዓብደልቃድር(ገዱራ)ን’ውን ቲቪ ንኽዕዘቡ መጻእቲ’ዮም ነይሮም። ከምቲ ዘዕለልናዮ እዚ ከባቢና ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ንሕና ካብ ርሑቕ ኢና ገመድ ስሒብና። ሕጂ ቲቪ ስለዝነበረትና’ዮም መንእሰያት ንገዛና ዝመጹ ነይሮም። ክልቲኣቶም ኣሕዋት ደቀቦይ ዓፋ’ውን ብሓደ ይመጹ። ብፍላይ ስዉእ በኺት ዓፋ ህዱእ፡ ከምቶም ካልኦት መዛንኡ ጭርቃን ዘየብዝሕ ምንባሩ ካብቲ ዝዝክሮ ባህርያቱ ኢዩ። ካብ ኣገልግሎት ብዕረፍቲ ኣብ ዝመጻሉ፡ ከምኡ’ውን ካብ ከቢድ መውጋእቱ ኣብ ዝተመሓየሸሉ፡ ግዜ መታን ክሓልፈሉ’ዩ ዝመጽእ ነይሩ። ገዱራ’ኳ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይተፈልየናን።. . . ‘ዓዲ ሓሸል’ መስዋእቲ ዘይከፈለት ገዛ ዳርጋ የላን። መብዛሕትኡ’ዚ ከባቢ ስድራቤት’ቶም ጀጋኑ ዘለውዎ’ዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን” ብምባል ተዘክሮታታ ዘካፈለት- ክብራ መብራህቱ ኢያ።

ምስክር ወረቐት መውጋእቲስም፦ መሓመድኣደም ዓፋኣሃዱ- 3.35. 88 ክ/ሰራዊት

ታሪኽ መውጋእቲ፦ 8/ 90 ኣብ ውጡሕ ብስኬጆ ዓይኑ ተወጊኡ፡2/ 90 ኣብ ባጽዕ ጥይት ኣፍልቢ

ወጊኣ ወጺኣ፡ ነጸርታ. . .ስም ሓኪም- ተኽለ ገ/ ኣምላኽሓላፍነት- ሓኪም ክ/ ሰራዊት

ብንያም ሃይለ (ኩዶ ራንዳሌ)

ነፍስሄር ዓፋ መሓመድይማ ሓሊማ መሓመድ ሃመጃይ

ስዉእ ሓሰን ዓፋ መሓመድዝተሰለፈሉ- ሓምለ 1977

ዕለተ መስዋእቲ- 30/7/ 1981ቦታ- ዓሌት(ዞባ ጋሽ ባርካ)

መርየም ዓፋ ማሕሙድ ዓፋ (10ይ ዙርያ)

ዓብዱ ዓፋ (2ይ ዙርያ) ዓብዱላሂ ዓፋ (5ይ ዙርያ)ሰለመት ዓፋ ዓብደልቃድር ዓፋ (መበል 20 ዙርያ)

ስዉእ በኺት ዓፋ መሓመድ6ይ ዙርያ ኣገልግሎት

ዕለተ መስዋእቲ- 18- 11- 2000ቦታ- ሕክምና ዓሰብ

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 8

ሳልማን ስራጅ

ንእለቱ ሎቶ ቅድሚ ክልተ ዓመት ወርሓዊ ብስሩዕ ትሕተም ብዘይምንባራ ናይ ብዙሓት ዓማዊል ቅሬታ ነይሩ። ትካል ራይሞክ ሎተሪ ንርእይቶ ህዝቢ ብምስማዕ፡ ንእለቱ ሎቶ ወርሓዊ ከምእትሕተም’ዩ ገይሩ። ዝርዝር ኣስማት ተዓወትቲን ዝረኸቡዎ መጠን ገንዘብን ብስእሊ ኣሰኒኻ ምውጻእ’ውን ንገለ ዓመታት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግም ክስራሓሉ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ምስቲ ናይ ምውዕዋዕ ስራሕ ተደማሚሩ፡ ብዝሒ

ካብቲ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ሞያታት ሓደ፡ ሞያ ምምራሕ መኪና እዩ። ነዚ ሞያ ንምምሃር ቅድሚ ሎሚ ፋይል ምስ ተኸፍተ ንኽልተ ዓመት የገልግል ምንባሩ ይፍለጥ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ እንደገና ተሓዲሱ ናይ ክልተ ዓመት ዕድል ስለዝወሃብ፡ ተማሃራይ ብኡ ተተባቢዑ ክህልዎ ምስ ዝኽእል ጽበት ግዜን ራሕቂ ስራሕን እናወሃሃደ ክቕጽል ጸኒሑ። ክንዲዝኾነ ነቲ ዝገብሮ ቀሊል ዘይኮነ ወጻኢታት ክኸፍሎ ቁሩብ’ዩ ነይሩ። ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል

ኣብዚ ቀረባ እዋን ከተግብሮ ዝጀመረ መምርሒ ግን፡ ንሰልጠንቲ ምምራሕ መኪና ቅሩብ ስክፍታ ዝፈጠረ’ዩ። እቲ ጨንፈር ኣብዚ ወርሒዚ ንኣብያተ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፋይል ከፊቶም ስልጠና ዝጀመሩ ተማሃሮ ጉዳዮም ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ተጻፊፉ ፋይሎም ክዕጾ ኣዚዙ’ሎ። በቲ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ኣብያተ ትምህርቲ

ምምራሕ መኪና ካልእ ስርሐን ኣወንዚፈን ረሲዐንኦም ንዝነበራ ተማሃሮ እናጸወዓ ኣብ ፈተና የእትዋኦም ኣለዋ። ዝበዝሑ ካብቶም ተማሃሮ ብቐረባ ክርከቡ ዘይክእሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ እቶም ዝርካቦም’ውን ብዘይ እኹል ልምምድ ይፍተኑ ስለዘለዉ፡ ክዕወቱ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ተማሃራይ ካልእ ወጻኢታት ከይወሰኽካ ንሓንቲ ዙርያ (ጅሮ) 80 ናቕፋ ከፊሉ እናተማህረ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ምስ ተዋህቦ ሸቐልቀል’ዩ ኣእትዩዎ። ጨንፈር መጓዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል

ነዚ መምርሒ ከውጽእ ከሎ ምናልባት ናቱ ገምጋምን ኣሰራርሓን ይህልዎ ይኸውን። እንተኾነ ዝበዝሑ ተማሃሮ ካብ ርሑቕ ከባቢ ዝመጹ ምዃኖም፡ ንመምሃሪ ዝኸፈል ዋጋ’ውን ክቡር ምዃኑ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ንፈተና ዝቐርቡ ብዝሒ ተማሃሮ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ኣብ ኣመሃህራ ሓላፍ ዘላፍ ምህላዉ፡ ጽበት መምሃሪ ቦታን ዘይብቑዓት መምሃሪ መካይንን ምህላወን ምስ እንዕዘብ ግና፡ እቲ ጨንፈር ነዞም ሕጽረታት ግምት ብምእታው ንዝሃቦ መምርሒ ዳግመ ግምት ክገብረሉ

ጽርግያ ባጽዕ - ፎሮ እምበር ክገግዮ

ደልየ!ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዞባ ሰሜናዊ

ቀይሕ ባሕሪ ተንቀሳቒሰ ነይረ። ካብ ባጽዕ ተበጊስና ክሳብ ፎሮ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን ድማ ንዓይኒ ባህ ዝብል ምዕባለ ኢና ተዓዚብና። ጽርግያ ባጽዕ -ፎሮ ብዘመናዊ ኣገባብ ብቕጥራን ተለቢጡ ከከም ኣድላይነቱ ምልክታት ትራፊክ ተተኺሉን ክትከልን ምስ ረኣኹ ናይ ብሓቂ’የ ተመሲጠ። በዚ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ሓያል ክሊማ ተጻዊሮም ነቲ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ንዝርከቡ ኣባላት መጓዓዝያ ምድሪ ከመስግን እፈቱ።ጽርግያ ባጽዕ - ፎሮ ቅድሚ

ናጽነት ይትረፍዶ ብመኪና ብእግርኻ ክትከዶ’ውን ንጋዳ’ዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ሙቐት ተገዲድካ እንተዘይኮይኑ፡ ናብቲ ከባቢ ክትገይሽ ድማ ተባሃጊ ኣይነበረን። ፎሮ ንባጽዕ ቀረባ ክንሳ ብሰንኪ ዘይጥጡሕ መንገዲ ኣዝያ ርሕቕቲ’ያ ነይራ። ብሰንኩ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ካብ ባጽዕ ክረኽቦ ዝገበኦ ኣገልግሎት ኣብ ርእሲ ምስኣኑ፡ ኣብቲ መስመር ዝነበረ ምንቅስቓስ ተሽከርከር’ውን ውሑስ ኣይነበረን።እዚ ተተኺሉ ዘሎ ምልክታት ግን

ብለይቲ ከንጸባርቕ ዝኽእል’ዩ። ብምዃኑ ኣብቲ መስመር ከጋጥም ንዝጸንሐ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘውርዶ ኣየጠራጥርን። ብተወሳኺ ኣብቲ መስመር ተጀሚሩ ዘይተወደአ ቢንቶታት ናይ መወዳእታ መልክዑ እንተሒዙ፡ እቲ ጽርግያ ንሓዋሩ ውሑስ ክኸውን’ዩ። እዚ ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ዝህብ ፖሊሲ መንግስቲ ንዓመታ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽል እናተተስፈኹ ድማ ርሑስ ሓድሽ ዓመት እብል።

ዕምሪ ካብ ኣስመራ

ዕደላ መሬት ጤሳ ላጉዌን እንታይ ጉዱምዕዳል ጤሳ ሓደ ካብቲ ዘይተርፍ ግቡኣት ዜጋታት ኮይኑ፡ ንውሉድ ወለዶ

ክቕጽል ዝጸንሐን ዘሎን መስርሕ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ብዘይካ ውሑዳት ዳርጋ ኩለን ዓድታት ጤሳ ተዓዲለን እየን። እዚ ብግደኡ ኣብተን ዓድታት ንዝነበረ ጸገም ኣባይቲ ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ኣበርክቶ’ዩ ገይሩ። እምበኣር በዚ ኣጋጣሚ ንምድንጓይ ምዕዳል መሬት ጤሳ ላጉዌን ብዝምልከት’የ ርእይቶይ ክህብ።ላጉዌን ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ካብ ኣስመራ ኣስታት 15 ኪሎ

ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ’ያ። እዛ ዓዲ ሓንቲ ካብተን ድሕሪ ናጽነት ምዕዳል ጤሳ ዘይተኻየደለን ዓድታት ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ ከባቢኣ ካብ ዝርከባ ዓድታት እታ እንኮ ጤሳ ዘይተዓደለት ዓዲ’ያ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ብሰንኪ’ዚ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለ ዘይንጹር ኣሰራርሓ ኣብቲ ዓዲ ብቐሊሉ ዘይፍታሕ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ኣባይቲ ጸገም’ዩ ማዕቢሉ።ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጎሊሑ ዝረአ ሽግር ናይቶም ሓዳሮም ክፈልዩ ዝደልዩ መንእሰያት’ዩ።

ንዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ዝተመርዓው ተወላዶ እቲ ዓዲ መንበሪ ገዛ ክስእኑ ድማ ናይ ብሓቂ’ዩ ዘገርም። ብዛዕባ ጤሳ ላጉዌን ኣብ 2008 ብሽማግለ ዓዲ ዝተጀመረ ስራሕ ነይሩ። ሽዑ ኩሉ ዝምልከቶ ወዲ ዓዲ ክምዝገብ ተሓቲቱ ከብቅዕ፡ ብድሕሪኡ ግን እቲ ስራሕ ኣይቀጸለን። ስለዚ እቲ ዝተጀመረ ስራሕ ንምንታይ ከምዘቋረጸ ተፈሊጡ ዕደላ ዝቕጽለሉ መንገዲ ክናደ እላቦ።

ወልዱ ኣስረስ - ኣስመራ

ብዛዕባ ፒያሳ ቶሪኖ ዘለኒ ትዕዝብቲ’የ ክገልጽ። ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍረታትን ዘከፋፍሉ ዓበይቲ ነጋዶ ኣለዉ። እዞም ነጋዶ ዝጥቀሙሉ ጋብያታት (ካሴታታት) ድማ ካብ ድኳናቶም ሓሊፉ፡ ኣብ መሕለፊ ኣጋር (ማርቻፔዲ) ተደርዲሩ ይረአ። እዚ ከይኣክል እቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ዝሽየጠሉ ቦታ’ውን ብካሴታታት ናይዞም ነጋዶ መሊኡ ንምንቅስቓስ ህዝቢ ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ዓገብ ዝብል ስለዘይራኣኹ ድማ’የ ነዚ ርእይቶ ክጽሕፍ ተደሪኸ።

ፍታሕ ንደሊ ኣለናንሕና ተቐማጦ ዓዲ ጸጓር ንኡስ

ዞባ ዓዲዃላ ዘለና ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ክፍታሓልና ብተደጋጋሚ ኢና ሓቲትና። ንዝምልከቶ ኣካል ሓቢርና ሰማዒ ምስ ሰኣንና ድማ ጸገምና ኣብታ ብ3 ጥሪ 2013 ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ ከምዝቃላሕ ጌርና። እንተኾነ እቲ ርእይቶ ካብ ዝወጽእ ዓመት ገይሩ ከብቅዕ፡ ዛጊት ዝግደሰልና ኣይረኸብናን ዘለና። ሕጂ’ውን እቲ ሽግር ክፍታሓልና እናተተስፈና ሕቶና ዳግማይ ነቕርብ።

ልኡል ኣርኣያ - ዓዲ ጸጓር

ንእለቱ ሎቶ ከተማ ተጋዕዚ’ላ

ዓማዊል ሎቶሪ ብተዓጻጻፊ ከምዘዕበዮ ኣየጠራጥርን።እንተኾነ እቲ ዝጀመረ ስራሕ

ኣይቀጸለን። ንኣብነት እታ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ካቴድራል እትርከብ ፖስተራትን እዋናዊ ሓበሬታን ዝልጠፈላ ዝነበረ ሰሌዳ ምልክታ፡ ዝግባእ ኣገልግሎት ትህብ የላን። ቬትሮኣ ካብ ዝስበር ነዊሕ ገይሩ ከብቅዕ፡ ንምዕራዩ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን። ኣብ ትኬት ሎተሪ ዝሰፍር ንታሪኽናን መንነትናን ዝገልጽ ስእልታት’ውን ዝነኣድ ኮይኑ፡ ካልኦት ዘይተዳህሰሱ ስእልታት ከጠቓልል እንተዝኽእል ድማ ንሽሮ ጠስሚ ከም ምውሳኽ ምኾነ።ቀንዲ መበገሲ ጽሑፈይ ግን ጉዳይ

ጽሬት’ዩ። ምስ ብዝሒ ተጠቀምቲ ንእለቱ ሎቶ ዝርአ ንዓይኒ ዝሓቅይን ዝወግእን ተርእዮ ኣሎ። ንሱ ድማ ዘዝተሓኸኸ ሎቶሪ ኣብ ፈቐዶኡ ተደርብዩ ንከተማታትና ዘይምስለን ከምዝሕዛ ይገብር ኣሎ። ኣብቲ ዝሽየጥ ዘሎ ንእለቱ ሎቶ “ጽሬት ከተማና ንሓሉ” ዝብል መዘኻኸሪ’ኳ እንተሃለወ፡ ብግብሪ ግን ክስራሓሉ ኣይረአን። ብሰንኩ ብርክት ዝበሉ ጎደናታት ኣስመራ ብናይ ሎቶሪ ካርድ መርገጺ ተሳኢኑዎም ይርከብ። ምምሕዳር ዞባ ማእከል ጽሬት ከተማ

ኣስመራ ንምሕላው ካብ ዝወሰዶም ተበግሶታት ሓደ ኣብ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ርስሓት ንምእካብ ዘገልግሉ ሳናዱቕ ምትካል’ዩ። እቶም በብእዋኑ ተሓኺኾም ዝድርበዩ ሎቶሪ ድማ ኣብዞም ሳናዱቕ ክእከቡ ምተገብአ። እንተኾነ ብሰንኪ ውሑዳት ዘይኮኑ ነበርቲ ኣስመራ ዘርእዩዎ ሸለልትነት፡ ከምዚ ኣብ ስእሊ ንዕዘቦ ዘሎና ኣብ ከባቢ መርካቶን ባር ሮማኖን ዝርከብ ቦታታት ወርሓዊ ምስ ምጅማር ንእለቱ ሎቶ መርዓ ወይ ጥምቀት ዝሓለፎ ክመስል ብወረቓቕቲ ኣዝዩ ጋዕዝዩ’ዩ ዝርከብ።ምስ ምብዛሕ ዓማዊል ብዝሒ ሸየጥቲ

ንእለቱ ሎቶ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብኡ መጠን ተሓኺኹ ዝድርበ ሎቶሪ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እሞኸ ደኣ ኣብቲ ሎቶሪ ንዘሎ “ጽሬት ከተማና ንሓሉ” ንዝብል መልእኽቲ መን’ዩ ከተግብሮ? ምሕላው ጽሬት ከተማ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ኩሉ ነተን ጋሕ-ጋሕ ምድሪ ተንሲኤን ሓኾት ዝብላ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ክንገድፎ ድማ ሃየንታ’ዩ። እቲ ንእለቱ ሎቶ “ከፋቲት በሪ” ዝብል

ኣዘራርባ፡ ንሃብቲ ጥራሕ ዝመስሎም ኣይሳኣኑን። ከምዝመስለኒ ንእለቱ ሎቶ ከፋቲት በሪ ማለት በሪ ንምልላይ ምስ

መንነት፡ ታሪኽ፡ ጸጋታት ሃገር፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ውርዙይ ጽሬት ናይ ምሕላው ባህልና ዘንጸባርቕ ኣበሃህላ’ዩ። ስለዚ ንእለቱ ሎቶ - ከፋቲት ባብ ምግዕዛይ ንከይትኸውን፡ ዝተሓኸኸ ሎቶሪ ኣብ ናይ ርስሓት ሳንዱቕ ንምእታው፡ ሸየጥቲ ሎቶሪን ዓማዊልን አእጃምና ነልዕል።

ፍናን መሓሪ - ኣስመራ

ጀሚሮም ዝነበሩ ተማሃሮ ዕድል እንተዝወሃቦምትጽቢት ሰልጠንቲ’ዩ። ካልእ ክነስተውዕለሉ ዝግባኣና እዞም

ፋይሎም ክዕጾ ዝበሃል ዘሎ ሰልጠንቲ ክሳብ ሕጂ ብኣሽሓት ናቕፋ ዝቑጸር ወጻኢታት ገይሮም ምህላዎም’ዩ። ትምህርቲ ክንውድእ ቀሪብና እናበሉ ኩሉ’ቲ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ብላሽ ክኸውን ድማ ዘየሻቕል ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብቶም ንፈተና

ዝቐረቡ ኣስታት 17 ሽሕ ተማሃሮ ምምራሕ መኪና፡ ክልተ ሽሕ ጥራይ ከም ዝሓለፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተገሊጹ ነይሩ። ስለዚ ከም ኣማራጺ እንተተኻኢሉ ተማሃራይ እኹል ግዜ ረኺቡ ትምህርቱ ክሳብ ዝውድእ ዕድል ክወሃቦ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ንመንግስቲ ኣታዊ ዝኸውን መቕጻዕቲ ተበይኑሉ ፋይሉ ዝሕደሰሉ ኩነታት ክሕሰብ ምሕሸ እብል።

መርሓባ ካብ ኣስመራ

ተመሳሳሊ ደብዳበ ሙሉጌታ ገ/መድህን - ኣስመራ

ከምዝመስለኒ ነጋዶ ካብ ትካሎም ወጻኢ ንብረት ከቐምጡ ፍቑድ ኣይኮነን። ክንዲዝኾነ ነቲ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰብ ትካል ብወተሃደራት ምምሕዳር ከተማ ክቕጽዑ ይረኣዩ። እዚ ናይ ፒያሳ ቶሪኖ ደኣ ንምንታይ ትም ተባሂሉ? ግቡእ ስለዝኾነ ድዩ ወይስ ከም ጸገም ኣይተራእየን? ብናተይ ትዕዝብቲ እዚ ካሴታታት ብኹለንተናኡ ኣብ ምቹእ ቦታ ስለዘየለ፡ ንምእላዩ ጨንፈር ሕጊን ስርዓትን ዞባ ማእከል ስጉምቲ ክወስድ አዘኻኽር።

ታድዮስ ሃይለ - ኣስመራ

ካሴታታት መንገዲ ኣጋር ይዓጽዉ ኣለዉ

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 9

ኣብ ሓደ ከተማ፡ ብጫ ሕብሪ ዝሸይጥ ሓኪም ነበረ። እዚ ሕብሩ ፍሉይ ጥቕሚ ነይሩዎ ተባህለ። ዝዀነ ይዅን ሰብ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ክሳዕ ኣጽፋር እግሩ ብእኡ እንተተለኽዩ ህይወቱ ንሓደጋ ኣይትቃላዕን። እዚ እምነት እቲ ከባቢ’ዩ።ሞትን ሓጥያትን ክጽግዐኦ

ይትረፍ ኣየንጸላልወኦን። እዚ ኸኣ፡ እቲ ሓኪም ኣብ ዘስፈሮ መወዓውዒ ጽሑፉ ዝርከብ ነጥቢ’ዩ። ነበርቲ ከተማ’ውን ነዚ ኣበሃህላኡ ከም ሓቂ ብምቝጻር ጐሲሞሞ’ዮም። በዚ፡ ብጫ ሕብሪ ምልካይ ከም ንቡር ተወሲዱ’ዩ።ንነብሶም በቲ ዝተጠቕሰ

ሕብሪ ምልካይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ሰብ’ውን ተለኽዩ ንምርኣይ ባህ ይብሎም። ክንዲ ዝዀነ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እናጐስጐሰ ወይ እናጸለወ ኣብታ ከተማ ንነብሱ ዘየበጨወ እንተዘይሃልዩ ይከሰስ ዘብል’ዩ።እቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ነበርቲ

ከተማ እዚ እናዀነ፡ ሓደ ካብ ርኹባት ስድራ ዝውለድ፡ ነቲ ልምዲ ብዕሽሽታ እናጠመተ ዝጐዓዝ ሰብ ነበረ። ንሱ፡ ብኸምዚ ዕድመ ንእስነቱ እናተጓዕዘ ጐበዝ ክበሃል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ በጽሐ።እዚ ኣብ ኣብ ቅድሚኡ

እርጋን ዝጽበዮ መንእሰይ፡

ብጫ ሕብሪደራሲ፡ ሮበርት ልዊስ ስተቨንሰንተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ

ንኽልከይ ጐስጓስ ዘካይዱሉ ሰባት እንክርከቡ፡ ዝዛረቦ ኣይስእንን። “ጽባሕ እትበሃል መዓልቲ’ውን እኮ ኣላ። ጽባሕ ከርክበሉ’የ፡” እናበለ የሕፍሮም።ጽባሕ ሓሊፋ፡ እታ ትስዕብ

ጽባሕ ትመጽእ። እናተተኻኽኣ ሓያሎ ጽባሓት ይሓልፋ። ንሱ ግን፡ ኰይኑዎ ዘረባኡ ቀዪሩ ኣይፈልጥን። ናቱ ጽባሕ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣይትፍለዮን። እዚ ኵሉ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ዝዛረቦ’ዩ።እዚ ብዕሽሽታ ዝነብር

መንእሰይ ሓደ ዓርኪ ነይሩዎ። እቲ ዓርኩ ብዕድመ መዘናኡ እዩ። ባህሪኡን ባህጉን’ውን ልክዕ ከምኡ እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ወላ ሓንቲ ትንኳዕ ትኹን ሕብሪ ኣብ ገጹ ከየንጠበ፡ ኣብ ጐደናታት ክዛወር ይርአ።ሓደ መዓልቲ እዚ መንእሰይ

ምስዚ ወዲ ርኹባት እናተዘዋወረ ኸሎ ከቢድ ሓደጋ ኣጓነፎ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ሓንቲ ብጥቓኦም ክትሓልፍ ዝፈተነት ዓረብያ፡ ነዚ መንእሰይ ካብ ዓርኩ ፈልያ ጨፍለቐቶ።

ዓርኩ ካብ ጐኑ እንክምንከል ዝተዓዘበ ጐበዝ፡ ኣመና ሓዘነ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ረዓደ። በዚ ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዓርኩ ዘጓነፈ ሓደጋ ጽባሕ ንጕሆ ኣብ ነብሱ

ክበጽሕ ምዃኑ ዝሕብር መጠንቀቕታ ከም ዝቐረበሉ ሓሲቡ ብወለንታኡ ከም ሰቡ ክመስል ወሰነ። ኣይደንጐየን ድማ፡ ሙዚቃን

ሳዕስዒትን ኣብ ዘድመቖ ጽንብል ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳዕ ጸጕሪ ርእሱ ዘሎ ተኽለ ሰብነቱ ብሕብሪ ተሓበጸ። ኣብቲ ጽንብል ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ተረኽቡ። ይዋእ’ዩ ንሱ፡ ብዓውታ እናበኸየ ተንፈቕፈቐ።ንሱ፡ ሰለስተ ሻዕ ብሕብሪ

ተለኽዩ ተደርዐ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ልዕሊቲ ተነባቢሩ ዝተደረዐ ሕብሪ ዘብለጭልጭ ፈሳሲ ተወሰኾ። ሽዑ፡ በቲ ኵነት ዝተተንከፈ ሓኪም ነቲ መንእሰይ ርእዩ በኸየ። ናብቲ ሞያ ካብ ዝኣቱ፡ ከምኡ ዓይነት ጽዑቕ ኣለኻኽያ ገይሩ ከም ዘይፈልጥ’ውን ሓበረ። ብኸምዚ ሳምንታት ተቘጽረ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ እቲ ኣጸቢቑ ዝተለኽየ መንእሰይ፡ ብቓሬዛ ተጸይሩ ናብቲ ሓኪም ተወስደ።ማዕጾ እንዳሓኪም ምስ

ተራሕወ፡ እቲ ወዲ ርኹባት ብኣንጽርጽሮት መረረኡ ገለጸ። “እንታይ ማለት ደኣሉ’ዚ?” ክብል ድማ፡ ኵሉ እናሰምዐ፡ መብርሂ ክወሃቦ ሓተተ። ቍሩብ እስተንፊሱ ድማ ዘረባኡ ቐጸለ።“ኣነ ዝተለኸኹ፡ ሓደጋ

ምእንቲ ከየጓንፈኒ’ዩ ዝነበረ። እንተዀነ፡ እንሀ ሕጂ፡ ኣይወዓልኩ ኣይሓደርኩ፡ ሓደ መኻልፍ ኣጋጢሙኒ። እሞ ኸኣ ባዕሉ እቲ ንዓርከይ ዝመንከሎ ዓረብያ። ክትፈልጥ! እቲ ዓረብያ፡ ንዓይ’ውን እንሀ እግረይ ሓማሺሹ ሰይሩዎ።” ኣንጻርጸረ።ኣብቲ ህሞት’ቲ መልሲ

ዘይስእን ሓኪም ተዛረበ።“ቅድመኻ ይስጥሐኒ

እዚ ወደይ። ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሚ’ዩ ኣጓኒፉካ። ግን ደሓን፡ መግለጺ ካብ ምሃብ፡ ዓዲ ኣይውዕልን’የ። እዚ ዘጓነፈካ ሓደጋ ኣመና ፈኲስ’ዩ። ምስቶም ፈውሰይ ዝዓግቶም ዘስካሕክሑ መኻልፋት ዝስራዕ ኣይኰነን። ፈውሰይ ነዞም ከምዚኦም ዓይነት ኣይከላኸልን’ዩ። ኣጸቢቕካ ክትርዳእ፡ መድሃኒተይ፡ ሓጥያት ብዘእቱ ነገር ምእንቲ ክይትስሕት’ዩ ዝከላኸለልካ። ይዅን እምበር ካብ ከምዚ

ዓይነት ስሕታን ካብ ምፍጻም እንተዘይዓጊትካ መጺእካ ሕተተኒ። እዚ ወደሓንካ!”“አሀ ተረዲኡኒ ሕጂ፡ ርግጽ

ዘሕዝን ክስተት’ዩ። ይዅን እምበር፡ ክቕበሎን ክጻወሮን’የ። በል ሕጂ እምበር፡ በዚ ምኽርኻ ተማእዚዘ ምእንቲ ክነብር፡ ነታ ዝተሓምሸሸት እግረይ ፈዊስካ ኣዐርየለይ።”“ንሱስ ናተይ ብጽሒት

ኣይኰነን። እዞም ተሰኪሞም ዘምጽኡኻ እንተተሓባቢሮምኻ፡ እቲ ኣብቲ ንየዋይ ኵርናዕ ዘሎ ሓኪም፡ ርግጽኛ’የ ነቲ ጠለብካ ሰሚዑ ህጹጽ ፍታሕ ክገብረልካ’ዩ። ከመቕጽበት ድማ ትድሕን።”ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ እቲ

መንእሰይ እንቅዓ እንቅዓ እናስተንፈሰ ናብ እንዳ ሓኪም መጸ። ኣይደንጐየን ድማ እናተቘጥዓ ክዛረብ ጀመረ።“እንታይ’ዩ እዚ ነገርዚ?

እንታይ ዓይነት ትርጕም ክወሃቦ ይኽእል? ሓጥያት ንምፍጻም ዝደፋፍእ ፍጻሜ ኣይከጓንፈካን ተባሂለ። ይዅን እምበር፡ ኣብዛ ሰዓትዚኣ፡ ምጥፍፋእ፡ ዝምታ ቅትለትን ፈጺመ ኣብ ቅድሜኻ ቀሪበ ኣለኹ።” ክብል ገዓረ።ጽን ኢሉ ክሰምዖ ዝጸንሐ

ሓኪም መልሲ ክህብ ተደረኸ።“ቅድሜኻ ይስጥሓኒ እዚ

ወደይ! እዚ ዘተሓሳስብ ጕዳይ’ዩ። ተላይ ክዳውንትኻ ኣውጺእካ ኣብ ፊተይ ተገተር!” ድሕሪኡ እቲ ሓኪም ነቲ

ጐበዝ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳዕ ርእሱ ዘሎ ተኽለ ሰውነቱ መርመሮ። “ብስንባደ ትንፋሰይ ካብ

ነብሰይ ክትሰቱኽ ደልያ ነይራ እዚ ዓርከይ። ሕጂ ግን ተመሊሳ። ኣጸቢቐ ፈቲሸካ። ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትደቅቕ ቅራፍ ፈውሲ’ውን ተጨሊፋ ኣይተረኽበትን። ተሓጐስ መንእሰይ፡ እቲ ዝተለኸኻዮ ሕብሪ ብምሉኡ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።” “ሊቃነ መላእክቲ! ግን

ሓጥያት ፈጺመ እብል እንድየ ዘለኹ ግዲ!” እናኣንጸርጸረ ተዛረበ እቲ መንእሰይ። “እንድሕር ሓጥያት ከይፍጽም ክዓገተኒ ዘይክእል ዀይኑ እንታይ ዓይነት ፈውሲ ደኣ’ሉ እዚ?”

“ተመልከት!” ክዛረብ ጀመረ እቲ መግለጺ ምሃብ ዘይጽገም ሓኪም። “ሕጂ’ውን ብዛዕባ ፈውሰይን፡ ዓቕሙን ክበርሀልካ ዘለዎ ጕዳይ ዘሎ ይመስለኒ። ጽን ኢልካ እስኪ ስምዓኒ! ክትፈልጥ፡ እዚ ፈውሰይ ሓጥያት ንኸይፍጸም ኣይከላኸልን። ነቲ ከም ውጽኢቱ ዝስዕብ ቃንዛን ቅልውላውን ግን የቃልሎን የፍኵሶን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ፈውሰይ ኣብ ዓለም እንከለኻ ንዘጋጥሙኻ ጸገማት ንኸቃልለልካ ኣይኰነን ዘገልግል። ብሓጺሩ፡ ካብ ሞት ንኽከላኸልካ’የ ቀቢአካ። ሕጂ እዚ ወደይ፡ ክመኽረካ፡ ሓደጋ ሞት ከፈታተነካ ኸሎ ብቐጥታ ናባይ ንዓ። ብዛዕባ ፈውሰይ እተስምዖ እንተሃልዩ ሽዑኡ ኢኻ ትመጸኒ።”“እህ፡ ከምኡ ድዩ?” እቲ

መንእሰይ ብቐሊሉ ሃድአ። “እዚ እትብለኒ ዘለኻ ኣይተረድአኒን ነይሩ። ርግጽ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ። ይዅን እምበር፡ ከምቲ ትብሎ ዘለኻ፡ ንጽቡቐይ እንተዀይኑ ኣይከፍአኒን’ዩ። ብዝዀነ፡ ክሳዕ ሽዑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ፈጺመዮ ዘለኹ ሓጥያት ክትቅንጥጠለይ እልምነካ ኣለኹ።”“ከምኡ ክገብረልካ

እይክእልን።” በለ እቲ ሓኪም። “ግን፡ ኣብዚ ከባቢ ናብ ዘሎ መደብር ፖሊስ እንተኸይድካ ካብ ጸገምካ ክትገላገል ትኽእል ኢኻ።”ድሕሪ ሽዱሽተ ሳምንቲ፡

እቲ ሓኪም ኣብቲ ከተማ ናብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ተጸውዐ።“እንታይ እዩ እዚ ነገር?”

እናኣንጸርጸረ ተዛረበ እቲ መንእሰይ። ተመልከት ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ክሳዕ ጽፍሪ እግረይ ብፈውስኻ ተለኽየ ኣለኹ። ይዅን እምበር፡ እግረይ ተሓምሺሹ፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ገበናት ፈጺመ። እንሀ ድማ፡ ተዀኒነ፡ ጽባሕ፡ ብማሕነቕቲ ክመውት ተቐሪበ ኣለኹ። ክቱር ራዕዲ ኣብ መላእ ኣካላተይ ተዘሪኡ ኣሎ። ንኽገልጾ’ውን እሽገር ኣለኹ።”“ሓሻካ መንእሰይ፡” ድሕሪ

ምባል፡ እቲ ሓኪም፡ “ዝገርም ነገር’ዩ። ይዅን እምበር፡ እንተዘይትለከ፡ ራዕድኻ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምደየበ ነይሩ።” ክብል ተሰናበቶ።

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 107

ሳሙኤል ገ/ብርሃን

ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ’ዚ፡ ብዝነበርዎ ኣዝዮም ብርቱዓት ኣፍራስን ካልኦት መግለጺ ሃብቲ ብዝብሃሉ ንዋይን ዝዳረጎ ሰብ ኣይነበረን። ሃብታም ካብ ምንባሩ ዝነቐለ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ዓዱ መጠኑ ዝሓለፎ ክብረት እዩ ዝረክብ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ዝነበርዎ ኩሎም ኣፍራስ፡ ኣብዚ ኣትዮም ከይተባህሉ ተሸርቡ። ሰብኣይ፡ ብሰንኪ እዚ ዝዀነ ክሰርሕ ኣየከኣለን። ኣይወፍር፡ ኣይሓርስ…በቃ! ዳርጋ ካብ ስራሕ ፍጹም በዀረ። ደቂ ዓዱ ኸኣ፡ ብዘጋጠመ ኩነታት ኣዝዮም ብምሕዛን፡ “እንታይ’ሞ ክትገብር ኢኻ? ሕማቕ ዕድል እዩ። ንዓኻ ዶ ከምዚ ምገጠመካ?” ብምባል ከጸናንዕዎ ብዙሕ ብዙሕ ፈተኑ። እቲ ሰብኣይ፡ በቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ኣዝዩ ኣይሰንበደን። ዘገርም ድማ መለሰሎም። “ደሓን! ናብራ ዓለምን ሂወትን ኣብ ጉዕዞ እዩ ዘሎ። ገጢሙኒ ዘሎ ኩነታት ከኣ ናይ ብ‘ሓቂ’ ሕማቕ ድዩ ኣይኮነን ርግጸኛ ስለዘይኰንኩ፡ ክሳብ ክንድዚ ኣይክጉህዪን’የ፡ ህድእ ጥራይ ንበል” ክብል ተዛረበ። ብኣዘራርባኡ፡ ደቂ ዓዱ ግ..ርም’ዩ ኢልዎም። ድሕሪ ገለ መዓልታት ከኣ፡ እቲ እንኮ ዝተረፈ ኣዝዩ ዝበርተዐ ፈረሱ ኣሰር ዝቐደሙ ሒዙ ተሰወረ። ሕጂ’ውን፡ “ሓንሳብ ህድእ ንበል! ሕማቕ ድዩ ጽቡቕ ኣይፈለጥናን” ጥራይ ነይሩ መልሱ። ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ድሒሩ ዝተሰወረ ፈረስ፡ ክንድቶም ዝጠፍኡን ልዕሊኦምን ዝምብርታዖም ካልኦት ብዙሓት ኣፍራስ ሒዙ ካብ በረኻ ናብቲ ሰብኣይ ተመልሰ። ደቂ ዓዱ ተሓጒሶም፡ “ናይ ኢድካ ረኺብካ ሕጂ። እንቋዕ ሓጎሰካ! ዝለል፡ ንጠር ሕጂ። እዚ ዘይብሃሉ ብዙሓትን ብርቱዓትን ኣፍራስ ረኺብካ። እቶም ካልኦት ምጥፋኦም ሲ መባልዕትኻ ኰይኑ”ብምባል ሓጎሶም ክገልጹ ጀመሩ።

ሰብኣይ’ሞ፡ ዘረባኡ ኣይቀየረን፡ “ስለ’ቲ ሓጎስኩም ክትገልጹለይ ኣብ ገዛይ ምምጻእኩም - የቐንየለይ። እንተ’ቲ ንጠር፡ ዝለል ዝበልክምዎ ግን - ሓንሳብ’ባ ህድእ ንበል! እዚ ኸ ናይ ብሓቂ ድዩ ‘ጽቡቕ’፡ ሂወት ትቕጽል እያ’ኮ ዘላ” ኢሉ መለሰሎም። ዘረባኡ

‘ኣዚኹም ኣይትጉሃዩን ኣይትትሓጎሱን’ከይወደኣ ድማ፡ እቲ ሓደ ዝፈትዎ ወዱ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣፍራስ ተወጢሑ እንከሎ ብሕማቕ ወዲቑ ክልተ ኣእጋሩ ይሰባበር። ነዚ ምስ ሰምዑ ደቂ ዓዱ፡ “ሕማቕ ረኺብካ፡ ሕጂ ኸኣ ብወድኻ መጺኢካ? ካብዚ ዝኸፍእ ነገር የለን። እዞም ኣፍራስ እዚኣቶም ብኻ ከይመጹኡ ሱቕ ኢሎም! ንወድኻ፡ እሞ ድማ ንሓደ ወድኻ - ሕማቕ ኣጋጣሚ” ክብሉ ተሰምዑ። ሰብኣይ ሕጂ’ውን ዘረባኡ ኣይለወጠን፡ “ሓንሳብ ህድን ንበል፡ ሂወት ትቕጽል እያ ዘላ” ጥራይ ነበረት መልሱ። ብኣተሓሳስባ እቲ ሰብኣይ እናተገረሙ፡ ሃንደበት ኣብቲ ዓዲ እዚ ክበሃል ዘይክእል ኲናት ይእወጅ - ጸሊም ኲናት። ጥዕናን ትልኽ ዝብል መሓውርን ዝነበሮ ኩሉ ጎበዝ ከኣ ናብቲ ኲናት ወፈረ። ከቢድ ኲናት

ስለዝነበረ ኸኣ፡ እቶም ዝወፈሩ ዳርጋ ኣይተመልሱን። ወዲ እቲ ሰብኣይ ግን፡ ኣብ ኣእጋሩ ሓደጋ ገጢምዎ ስለዝጸንሐ፡ ኣብቲ ኵናት ኣይተሳተፈን፡ ሰብኣይ ከኣ ወዱ ኣይሰኣነን። ኩሎም ደቂ ዓዱ ግን፡ ዝነበርዎም ውላድ ርእዮም ስኢነሞም። ስለዚ፡ ኣብ ሂወትና ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ እንተደኣ ተጠቒምና፡ ብርግጽ ናብራና ትርጉም ክንረኽበሉ ኢና። ብዝገጥመና ‘ሕማቕ’ን ‘ጽቡቕ’ን እንብሎ ኩነታት፡ ኣዚና ክንጉህን ክንሕጎስን የብልናን። ምኽንያቱ፡ እንታይ ሒዙ ይመጽእ ስለዘይንፈልጥ። ህድእ ምባል ግን መኽሰብ እዩ። ‘ሕማቕ’ ዝበልናዮ እቲ ዝበለጸ ጽቡቕና ከኸውን ይኽእል እዩ፡ ‘ጽቡቕ’ ዝበልናዮ ኸኣ እቲ ዝበኣሰ ሕማቕና ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ’ሞ…ህድእ ንበል።

ዋዛ መማቕርቲውሉድ፡- ‘ሓደ ሰብ ንኽምርዖ ክንደይ

ዝኣክል ገንዘብ የልድዮ?’ኣቦ፡- ‘እንድዒኸ! ካብ ዝምርዖ ኣትሒዘ

ንኣደኻ ወርሒ ወርሒ እኸፍላ ኣለኹ’ ***

ሰበይቲ፡- ‘ከማኻ ገይረ ዝጸልኦ ሰብ የብለይን። ንስኻ ቅድመይ እንተሞትካ ዝሓዝን ድዩ መሲሉካ? ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣብ ልዕሊ መቓብርካ ኰይነ’የ ክስዕስዕ’ሰብኣይ፡- ‘እንቋዕ ሓበርክኒ! ምስ ሞትኩ

ኣብ ባሕሪ ቅበሩኒ ክብሎም እየ’

ኣፈወርቂ ገብረህይወትካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ልዕሊ ወልፊ ቡንልዕሊ ወልፊ

ማኪያቶቪልያ ትረኣዮከሽከርክራ ብኣፌቶካብ ገዛኡ ገስጊሱ ኣለዳምስ ዋና ተመዓራርዩ ይኸፍት

ስትራንዳመሬት የዕርባክጻወት ኳትሮ ስፖንዳ።ኣብ ጉዳይ ቀለም ጉዳይ ምህሮፍጹም ባዶ፡ ትሕቲ ዜሮሮሶ፡ ቢያንኮኒ፡ ላቨሊሲማ፡ ላቤላክሽምድድ የለን ዝወዳደሮምስጉን ብዳንነት፡ ልሉይ ኣልቢትሮ!ዝጎድሎ ዘይብሉኣብ ነጥቢ ኮነ ቢኪያታኣብ ስቴካ ጸኒሑእናጸመደ ብቡቸታኣርሓ ኮይኑሎምንሰብ ባድላ፡ ንሰብ ካራቫታገብረ ናይ ቪልያርዶ ኣውቲስታ።ክኢላ ቪልያርዶ፡ ናይ ስቴካ ወሓለፍጹም ዘይርብርብ፡ ክተክል ብርለ።ግዜ ብኸንቱ ክሓልፍ ፍጹም

ዘይዓጅቦኣበይ ኣላ እንዳ ቪልያርዶኣበይ ኣላ እንዳ ስቴካክብል መሬት ዝዓርቦሓሰኻ ወልፍታቱ ኽቐትልወርቃዊ ግዜኡ ዘጥፍእቪልያታት ክፈትል።

ኣባጎዳን - ካብ ኣስመራ

ከነብስላዶ!ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ካብ ዝመጽእ ሕታም ጀሚርና ኣብ ንኡስ ዓምዲ

ከነብስላ፡ ‘ሓደ/ንቲ ሰብ መጻምድቲ ኣብ ዝ/ትመርጸሉን እዋን፡ ብባህርያትን ጠባይን ኮታ ብኹሉ ነገራት ት/ዝመሳሰሎ/ላ ምምራጽ ድዩ እቲ ዝበለጸ?’ ኣብ ዝብል

ኣርእስቲ ዘለኩም ሓሳባት በቲ ልሙድ ኣድራሻና ልኣኹልና ከነአንግዶ ኢና።

ትርጉም ቃላት ትግርኛ• ዋሕስ ድጊ፡ እቲ ቀንዲ ግና፡ እቲ ዋሕስ ጓል ዝበሃል፡ ወላ’ውን ንዳሕራይ ግዜ ሓዳርን

ትካልን ተሓታትነት ዝስከም ዋሕስ መርዓት። • ጸብሓ/ ሑጓ፡ ብመገዲ ውሻጠ ኣቢሉ ንደገ ዘውጽእ ማዕጾ፡ ናይ ስርቆ ማዕጾ። • ሽሕነት፡ ንዝተወሰነ ግዜ ንጉስነት ዝወሃባ ከብቲ። • ገላፎ፡ ሽማግለታት ዓዲ ግን ነቶም ኩሎም ምሬት ሕርሻ ክዕድሉ ዝሕተቱ ወይ

ዘመልክቱ ዘጻርዩ ንዘይግብኦ ገባራይ ድማ ዝግልፉ እዮም። • ትወን፡ ኣዝመራ ወይ ዝናብ ቅድሚ ሰነ። • ብርኩታ፡ ከቢብ ቅርጺ ዝሓዘ ጎጎ (ቕጫ) ኮይኑ፡ ብኸቢብን ዘይፍርከሽን ብሓዊ

ኣርሲንካ ኣብ ዝተባዕጠ ሓርጭ ኣእቲኻ።

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2014* ስም ናይ ሰባት ብዝግባእ ኣጽንዑ* ንኻልኦት ሰባት ምቹኣት ኩኑ* ሰባት ምሳኹም ዝገብሩዎ ምጽናሕ። ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝሓድሮም ግበሩ* ንዝዀነ ነገር ናጻ ኴንኩም ቅረቡ* ንሰብ ልዕሊ ማንም ፈላጣት ኴንኩም ኣይትቕረቡ፣ ብዛዕባ ነብስኹም ድማ ብዙሕ ኣይትዛረቡ፣* ኣተኲሮ ደቂ ሰብ ብፍሉይ ሜላ ርኸቡ* ንደቂ ሰብ ዝጸልዎም ነገራት ኣወግዱ* ዝዀነ ዘይምርድዳእ። ብቕኑዕ መንፈስ ንምፍታሕ ፈትኑ* ቂምታ ኣወግዱ* ኣብ ናይ ሰብ ሓጐስ። ልባዊ ሓጐስ ካብ ምግላጽ ኣይትቆጠቡ ንደቂ ሰብ መንፈሳዊ ዕጋበትን ሞራል ዝህቦም ነገራትን ካብ ምግባር

ድሕር ኣይትበሉ፣

ንዝዀነ ኣጋጣሚ ምኽንያት ብምግባር ኣ ፍ ቃ ሪ ት ካ ምስእትኽደን። “እዚ ክዳን’ዚ ክትክደኒ ኢኺ!?” ወይ “ነዚ ዲኺ ተኸዲንኪ ዘለኺ!?” ዝብል ሕቶ ፈጺምካ ዘይምቕራብ፡ እቲ ምንታይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ርእቶታት ጽቡቕ ሃዋሁ ዝፈጥሩ ስለዘይኰኑ፡ ካልእ ዝተፈልየ ኣለባብሳ ክህልዋ ሓሳብ እንተድኣ ኣሎካ ኰይኑ ብልሓት ብዝተሓወሶ ሜላ ርእይቶኻ ከተቕርብ’ዩ እቲ ዝበለጸ፡ ዋላ’ውን እንተ ሓተተትካ። ብዛዕባ ሕሉፍ ዝምድናታትን ካልኦት ደቂኣንድስትዮን ፈጺምካ ኣይትዛረብ፡ ብባህሪ

ንላለናይ ብርዒ ስመይ ሃና እብሃል። ዕድመይ ኣብ 20ታት ዝርከብ ኮይነ፡ ሕብረይ ቀያሕ፡ ቁመተይ ማእከለይቲ፡ ካብ

ብዙሕ ምዝራብ ብዙሕ ምስማዕ ዝፈቱ’የ። ቀንዲ ካብ ዘዘውትሮም ንጥፈታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ቦታታት ምብጻሕ፡ ንነገራት ብቱኽረት ምዕዛብን ምትንታንን፡ ስፖርትን ምንባብን ኢዮም። ከምዚ ናተይ ድሌት ኮነ ዝንባለ ዘለዎ ሰብ

በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ zeb_han235@ yahoo.com ክላለየኒ ይኽእል።

ገብረን ወልፍን

ንወዲ ተባዕታይ ኣፍቃሪ…

ሰባት ህንጡያት ከም ምዃንና መጠን። ብርግጽ ኣፍቃሪትካ ብዛዕባ ሕሉፍካ ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን። ሕጂ’ውን እንተዀነ መልሓስካ ኣርንብ፡ ብዙሕ ዝዝረብ ካልእ ጽቡቕ ነገራት ኣሎካ፡ እንተድኣ ብዛዕባ ሕሉፍካ ክትዛረብ ጸቕጢ ጌራትልካ ግን። ማዕረ ክንደይ ዝሓለፈ እዋናትካ ንዓኻ ኣገዳሲ ከምዘይነበረን ኣብ መጻኢ ክትካሓሶ ከምእትጽበን ኣመልኪትካ ጥራይ እተተዛረብካ ተመራጺ እዩ። ብዛዕባ ነብስኻ ወይ ስራሕካ

ብዙሕ ምዝራብ ኣወግድ፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት ንኣፍቃሪትካ ኣይትኣርም ወይ ኣይተሕፍር፡ ብዛዕባ እንታይ ትዛረብ ኣሎኻ ትርድኣኒ’ላ ኢልካ ኣይትገምት፡ ፈጺምካ ምስ ካልእ ጓልኣንስተይቲ ኣይተወዳድራ። ወላ ኣዝያ ምስ እትፈትዋ መሓዛኣ። ኣደኣ ወይ ሓብታ ይኹን፡ ንስኻ ከም እትገብሮ ነገራት ክትፍጽም ኢልካ ኣይትገምት፡ ምኽንያቱ ሰባት ዝመደብዎ’ምበር ዝተነግሮም ክፍጽሙ ኣይፈትዉን እዮም።

ምንጪ።- www.love-sessions.com

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 11

ስፖርትዮናታን ገብርሂወት

[email protected]

ኢጣልያዊት ክለብ ኤሲ ሚላን ብዜና ኣጥቃዓያ ስቲፋን ኤል ሻራዊ ኣይቀሰነትን። ኤል ሻራዊ ኣብ እግሩ መጥባሕቲ ከካይድ ብምግዳዱ፡ ንዓሰርተ ሳምንቲ ካብ ጸወታ ክርሕቕ’ዩ። እቲ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ኣብ መስከረም ኣብ የማናይ እግሩ ድሕሪ ዘጋጠሞ መንቃዕቲ፡ ኣብ ምጅማር ናይ’ዚ ወርሒ ጥራይ እዩ ንጸወታ ዝተመልሰ። ንሱ፡ ዋላ’ኳ ንቓንዛ ራብዐይቲ ኣጻብዕቱ እንተተሞከረሉ፡ ተወሳኺ መጥባሕቲ ከካይድ ስለዝተደረኸ፡ ክለቡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣንጻር ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ ዝጽበያ ጸወታ ኣይክህሉን’ዩ። ኣብ መፈለምታ’ዚ ወቕቲ እንተላይ ናይ ሰለፍ መጉዳእቲ ዘጋጠሞ ኤል ሻራዊ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣርባዕተ ጸወታታት ሰረ-ኣ ጥራይ ምስላፉ ይፍለጥ።

ኢንየስታ “ቫልደስ ምስ ተሰናበተ ክነብዕ’የ”ኮኾብ ተጻዋታይ ባርሴሎና ኣንድረ ኢንየስታ፡ ምውጻእ ሓላው ልዳት ቪክቶር ቫልደስ

ካብታ ጋንታ ስምዒቱ ብቐሊሉ ዘለዓዕል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ቫልደስ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ክረምቲ ንባርሴሎና ምስ ገደፋ ንብዓቱ ክቈጻጸር ከጸግሞ ምዃኑ ገሊጹ።ኣብ ስታድዩም ኖ ካምፕ ን12 ዓመታት ኣባል ቀዳመይቲ ባርሴሎና ዝኾነ ሓላው

ልዳት ቫልደስ፡ ምስታ ስጳኛዊት ክለብ ዘጽንሖ ስምምዕ ኣብ 2014 ምስ ዘብቅዕ ውዕሉ ከምዘየናውሕ ዝሓለፈ ግንቦት ገሊጹ ነይሩ። እዚ ጉዳይ ከምዘተሓሳሰቦ ዘብርሀ ኢንየስታ እምበኣር፡ ምፍላይ ወዲ ጋንታኡ ነታ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ጀራርዶ ማርቲኖ ጽቡቕ ገስጋስ ተርኢ ከምዘላ ዝገልጻ ክለቡ ባርሳ ጉዳኣት ከምዝኾና እዩ ዘገንዝብ። ወዲ 29 ዓመት ኢንየስታ፡ “ቫልደስ ምስ ተሰናበተ ብዘይጥርጥር ክነብዕ’የ። ጥራይ

ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዓወታት ብምጉንጻፍ ዋናጩ ክንዓትር ተስፋ ክንገብር’ዩ ዘሎና፣ ምእንቲ ቫልደስ ተሓጒሱ ብጽቡቕ ክፋኖ” ክብል ንሪፖርተራት ገሊጹ። ንሱ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ምስ ባርሴሎና ክሳብ 2018 ዘጽንሖ ውዕል ምኽታሙ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንዝተረፈ ናይ ጸወታ ግዜኡ’ውን እንተኾነ ምስ’ታ ክለብ ከሕልፎ ክርኢ ከምዝደሊ’ዩ ዝጽበ።እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢንየስታ ኣብ ትሕት ፐፐ ጓርዲዮላ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ መወዳድርቲ

ኣልቦ ተመክሮ ከምዝኸሰበ ሓቢሩ። ከም ምሩቕ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና - ኢንየስታ በዓል ዝና እታ ክለብ ኮይኑ ክሰርሕ ዕድል ስለዝሃቦ ንጓርድዮላ ኣድኒቑ። እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ልዕሊኡ ዓቢ ጽልዋ ብምግባሩ፡ ኢንየስታ ፍሉይ ክብሪ’ዩ ዝህቦ። “ንጸወታ ፐፐ ኣብ ቲቪ ምስ ተዓዘብኩዎ (ጓርዲዮላ መንእሰይ ተጻዋታይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ)፡ ከምኡ ክጻወት ድማ ሕልመይን ህርፋነይን ኮነ። እቲ ንዓይ ብዝለዓለ ዘገረመኒ ድማ ናይ

ጓርዲዮላ ኣብ ምህናጽ ጸወታ ዘርእዮ ንጹርነት’ዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኢንየስታ “ፐፐን ሚካኤል (ላውድሩፕ)ን እቶም ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ኣዝዮም ኣገደስቲ ተጻወትቲ ዝነበሩ’ዮም። ፐፐ ኣሰልጣኒየይ ምስ ኮነ ድማ መወዳድርቲ ዘይርከቦ መቐረት’የ ኣስተማቒረ” ክብል፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ደረጃ ንኽበጽሕ ዘኽኣሎ ጓርዲዮላ ምዃኑ ገሊጹ።

ኮንተ፡ “ጁቬ ገና ታሪኽ ክትሰርሕ’ያ”

ኣሰልጣኒ ጁቬንቱስ ኣንቶንዮ ኮን፡ ጋንታኡ ካብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምውጻኣ ገና የሳቕዮ ምህላዉ እኳ እንተገለጸ፡ ብርቂ ስሉሳዊ ዓወት ክጎናጸፍ ከምዝኽእል ተዛሪቡ። እታ ኢጣልያዊት ክለብ፡ ሪያል ማድሪድን ጋላታሳራይን ካብ ዝነበራኦ ምድብ ሻምፕዮንስ ሊግ ምትራፋ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ኮንተ ትጽቢቱ ስሉስ ዓወት ምሕፋስ ከምዝኾነ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን።ጁቬንቱስ ገና ሳልሳይ ተኸታታሊ

ዘውዲ ሰረ’ኣ ኢጣልያ ክትደፍእ ትኽእል’ያ። ከምኡ’ውን ኣብ ሜዳኣ ንዝእንገድ ግጥም ፍጻመ ዩሮፓ ሊግ ክትዕወተሉ ተኽእሎ ኣለዋ። ብኻልእ ወገን ንዓስራይ ግዜኣ ኮፓ ኢጣልያ ናብ ከብሓ ብምእታው ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዓወት ክትኩምር ትኽእልያ እያ።ኣሰልጣኒ ጁቬ - ኮንተ፡ ንራፋኤል

በኒተዝ ናይ ናፖሊን ንዮርገን ክሎፕ ናይ ቦሩስያ ዶርትመንድን ኣኸቲሉ፡ ንብሉጽ ኣሰልጣኒ ናይ’ዚ ዓመት ንእትወሃብ ሽልማት ኩዕሶ እግሪ (Dubai Globe) ድሕሪ ምዕዋቱ፡ “ኣብ 2014 እጅገና ክንስብስብ ኢና ንደሊ። ብፍላይ ኣብ ሜዳና ንዝእንገድ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ዩሮፓ ሊግ ክንዕወተሉ ባህግና’ዩ። ኮታ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ንኹለን ዋናጩ ኢድና ከነንብረለን ህርፋን ኣሎና። ንሳልሳይ ግዜና ንጽዋእ (scudetto) ሰረ ኣ ከምኡ’ውን ብሕልፊ ንኮፓ ኢጣልያ። ንኮፓ ኢጣልያ ምስእንውንና ዓሰርተ ሳዕ ዝሰፍሰፍናያ ጋንታ ክንከውን ስለንበቅዕ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢ ክብረ ወሰን’ዩ።” ክብል እንከሎ፡ ካብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ምግላፍና መሪር ቃንዛ ኮይኑና ኣሎ። . . . ግን ከምቲ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ኣንጻር ጋላታሳራይ ዘርኣናዮ ጸወታ ኩዕሶ ብሓቂ ኣይክንደግሞን ኢና። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ፣ ኣብ ዝመጽእ ናይ ውድድር ወቕቲ ከኣ ኣብቲ ውድድር ብዝለዓለ መጥቃዕትና ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።ንሱ ኣብ መወዳእታ ዘረባኡ ናይታ

ዝተዓወተላ ዕለት፡ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት ብምሉኦም ተጻወትቱ ብዘርኣዩዎ ጸወታ ነቲ ሽልማት ከብቅዕዎ ብምኽኣሎም ኣብል ዕሊኦም ምስጋናኡ ገሊጹ። “ንሽልማት ፊፋ - ኣሰልጣኒ ናይ’ዚ ዓመት ክዕወተሉ እኽእል ድየ? ብምባል ሓተተ፡ ቅድሚኡ ግን ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ከም በዓል ፐፐ ጓርዲዮላን ጆሴ ሞሪኖን ዓለም-ለኻዊ ዓወታት የድሊ’ዩ” ክብል ከኣ ንሕቶኡ ምላሽ ሃበ።ሓደ ካብቶም ከሸንቲ ኩዕሶ ናይ’ታ

ብቕዲ ቲክ-ታክ እትልለ ባርሴሎና ዝኾነ ኢንየስታ፡ ምስ ስጳኛ ንዋንጫ ዓለም 2010 ከምኡ’ውን ክልተ ሳዕ ንዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳ ዝዓትዓተ ኰይኑ፡ ምስ ክለቡ ብዙሕን ዝተፈላለየን ዓበይቲ ጽዋእ ዝዓተረ ክኢላ ተጻዋትይ’ዩ።

ተኸላኻላይ ባርሴሎና ጆርዲ ኣልባ፡ ሊዮነል መሲ ዋላ’ኳ ንሽልማት ባሎን

ዲ ኦር 2013 ክዕወተሉ እንተዘይክኢሉ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ንሱ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ - ፊፋ ንዝወሃብ ሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ኣርባዕተ ግዜ ብተኸታታሊ ዝተዓወተሉ መሲ፡ ኣብ ሽልማት ናይ’ዚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዜኡ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ብምርጫ ብዙሓት ድሕሪ ፖርቱጋላዊ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ናይ ሪያል ማድሪድን ፈረንሳዊ ፍራንክ ሪበሪ ናይ ባየር ሙኒክን ብሳልሳይ ደረጃ ዝርአ ኰይኑ ቀሪቡ ምህላዉ’ዩ ዝጋዋሕ።ወዲ 24 ዓመት ኣልባ ግና፡ ጥሪ ንዝወሃብ

ሽልማት ኣብ ግምት ብዘይምእታው፡ ኣብዚ ዘመናዊ ጸወታ መሲ እቲ ናይ መጨረሽታ ብሉጽ ተጻዋታይ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን። “ንባሎን ዲ ኦር መን ከምዝዕወተሉ ኣይፈልጥን’የ፣ የግዳስ ኣይግደሰሉን’የ። ሊዮነል ጌና ክሳብ

ንኤል ሻራዊ ዝኸሰረት ሚላን

ማሪያል ማድሪድ

ንኢካይ ጋንዶጋን ንምፍራም ዓቢ ኣቓልቦ ኣንቢራ ኣላ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦን ወኪልን ናይቲ ኮኾብ ተጻዋታይ ቦሩስያ ዶርትመንድ - ኢርፋን። ምስ ምብቃዕ ውዕል ዣቢ ኣሎንሶ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወቕቲ፡ ማድሪድ (ሎስ ብላንኮስ) ንመስመር ምክፍፋላ ከተጠንክር ምዃና ተመልክት ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ጋንዶጋን ካብቶም ኣብ መስርሕ ምስግጋር ብቐዳምነት ናብኣ ክጽንሮም ዓይና ዘውደቐትሎም ተጻወትቲ ሓደ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜ እቲ ጀርመናዊ ተጻዋታይ ኣብ መጉዳእቲ ይሃሉ ደኣ’ምበር ኢርፋን፡ ጋንዶጋን ብቕልጡፍ ንጸወታ ከምዝበቅዕን ብዛዕባ’ቲ ምስግጋር ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝርርብ ከምዘካይዱን ዘለዎ ተኣማንነት ገሊጹ። “ተገዳስነት ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ወደይ

ዕዙዝ’ዩ፣ ስለዝኾነ ንሳቶም ከዘራርብዎ ደልዮም ኣለዉ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ

ድሪድ ንጋንዶጋን ትደሊ

ኢካይ (ጋንዶጋን) ካብ መጉዳእቲ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝሓዊ ዝኾነ ነገር ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ብስሩዕ ኩዕሶ እግሪ ምስ ዝጻወት ግና እቲ ምይይጥ ክንጅምሮ ንኽእል ኢና” ይብል ኣቦ ጋንዶጋን።ወዲ 23 ዓመት ጋንዶጋን ኣብ

መጀመርታ’ዚ ወቕቲ ኣብ ኣህጉራዊ ግጥም ዝደጋገም መጉዳእቲ ከምዝገጠሞ’ዩ ዝንገር። ይኹን እምበር ግጥማት ቡንደስ ሊጋ - ጀርመን ጥሪ ምስ ቀጸለ ናብ ጸወታ ክምለስ ተስፋ ከምዘለዎ ይሕበር። ካብ 2011 ጀሚሩ ማልያ ቦሩስያ ዶርትመንድ ወድዩ ዝጻወት ጋንዳጋን፡ ሓደ ካብ ወሰንቲ ኣከፋፈልቲ’ታ ክለብ ምዃኑ ዝእመነሉ ተጻዋታ’ዩ።

ሎሚ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ምዃኑ’የ ዝፈልጥ” ይብል። ብመሰረት’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቓልሐ

ዜና፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ መሲን ዳይረክተር’ታ ክለብ ዣቬር ፋውስን ዝተፈጥረ ዘይስምምዕ እቲ ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ኣብ ስታድዩም ኖ ካምፕ ሕጉስ ከምዘየለ ተሰሚዑ’ዩ። እንተኾነ ኣልባ፡ መሲ ኣብ ባርሴሎና ህዱእን ሕጉስን ምህላዉ ብምንጻር፡ ካብ መጉዳእቲ ሓውዩ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጸወታ ክምለሶም ተስፋ ኣንቢሮምሉ ምህላዎም ብተወሳኺ ሓቢሩ። ሻምፕዮና ስጳኛ - ባርሴሎና ብሰንኪ ዘይምህላው መሲ (ብተደጋጋሚ መጉዳእቲ) ኣብ’ዚ ዓመት ቃልሲ ከምዘሕለፈትን ተሕልፍ ከምዘላን መረዳእታ ክኢላታት ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ እዩ። መሲ ድሒሩ ብዘጋጠሞ ናይ ምጭብባጥ ጭዋዳ ጸገም ሕክምናዊ ክንክን ንምክያድ ኣብ መበቆል ዓዱ ኣርጀንቲና እዩ ዝርከብ።

“መሲ ባሎን ዲ ኦር ክሽለም ኣየድልዮን’ዩ” ኣልባ

ብሓደ’ዮም ዓብዮም

ሓዳስ ኤርትራ 30 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 12

ተወሳ ኺ

ተስፋኣለም የማነ

መራሒ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፕረዚደንት ደኒስ ሳሶ ንጌሶ ኣብ ፓሪስ - ፈረንሳ ካብ ዝርከብ ክቡር ቡቲክ ብጠቕላላ ዋጋ 1.6 ሚልዮን ዶላር ባድላታትን ካምቻታትን ከምዝዓደገ ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና

ከምዘመልከቶ፡ ፕረዚደንት ንጌሶ ነቲ ክቡር ክዳዉንቲ ካብ 2005 ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ዓመታት’ዩ ‘ፔፕ ቡቲክ’ ካብ ዝተባህለ ድኳን ክዕድጎ ክኢሉ። ክንድዚ ዝኣክል ወጻኢታት ጌርሉ ከብቅዕ ግን ዛጊት ሓሓደ ግዜ ጥራይ ክኽደኖ ብምኽኣሉ ድማ ንሓያለ ወገናት ኣስደሚሙ ምህላዉ ወሲኹ ኣረዲኡ። ፕረዚደንት ንጌሶ ነቲ “ቅያር

ክኾነኒ” ዝበሎ ምዕሩግ ክዳዉንቲ ካብቲ ኣብ ባንክታት ስዊዝ ኣቐሚጡዎ ዝርከብ ሚልዮናት ዶላር ኣውጺኡ ከምዝዓደጎ’ዩ ዝሕበር። ደኒስ ክሪስተል ዝተባህለ

ወናኒ ሸውዓተ ናይ መዛወሪ መካይን ከምዝኾነ ዝንገረሉ በዂሪ ወዱ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ዉሽጢ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት ንካምቻታት ጥራይ ልዕሊ 474 ሽሕ ኤውሮ (650 ሽሕ ዶላር) ከምዘባኸነን መዓልታዊ ልዕሊ ሰለስተ ካምቻታት ከምዝቐያይርን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንመርመርቲ ገበን ፈረንሳ ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት በትረ-ስልጣን

ካብ ዝጭብጥ ንደሓር ኣብ

ደቀንስትዮ ምስ ተወልዳ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ መዘናታተን ብምውድዳር ብኣእምሮ ቀልጢፈን ከምዝበስላ ተመራመርቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ከረጋግጹ ክኢሎም።እቶም ኣብ ዩኒቨርስቲ

ኒውካስል ዝሰርሑ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ ኣእምሮ ናይ 121 ወለንተኛታት ሰባት ብተኸታታሊ ድሕሪ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ’ዮም ኣብ መስርሕ ዕብየት ሓንጎል ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎ ክርድኡ ክኢሎም። በዚ መሰረት ደቂ-ኣንስትዮ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መራሒ ሕብረት ሶቬት ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን ካብቲ ኣብ መበል 17 ዘመን ንዘውዳዊ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓይሊ ዝዓለወ እንግሊዛዊ ኦሊቨር ክሮምዌል ዝኸፍእ ኣመራርሓ ከምዘይነበሮ ገሊጹ።እቲ ፕረዚደንት ንመደብ ምትካል

ሓወልቲ ስታሊን ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ሓሙስ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ነቲ ዘረባ ወስ ዘበለ። “ስታሊን ካብቲ ኣረሜናዊን

መታለሊን ክሮምዌል እንታይ ዝፈልዮ ነገር ኣለዎ ድዩ!? ዝበለ ፑቲን፡ “ክሮምዌል ከም ዓቢ ሃገራዊ ጅግና ተቖጺሩ ኣብ ሃገሩ ግሩም ሓወልቲ ተተኺሉሉ ካብ ሃለወ ሞስኮኸ ስለምንታይ ንስታሊን ናይ ክብሪ ሓወልቲ ዘይትተኽለሉ?” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ። በዚ ከኣ ክረምሊን ሓወልቲ ስታሊን ኣብ ሞስኮ ክትሃንጽ ምዃና ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣተንቢሁ። ኣቐድም ኣቢሎም’ውን ሰበ-ስልጣን

ምምሕዳር ከተማ ሞስኮ፡ ንኽብሪ ኩሎም ኣብ ከተማኦም ዝቕመጡ ዝነበሩ መራሕቲ ሕብረት ሶቬት ዘንጸባርቕ ሓወልቲታት ናይ ምትካል ሓሳብ ከምዘለዎም ገሊጾም ኔሮም እዮም።ሰነዳት ታሪኽ ከምዘመልክትዎ፡

ንምልካዊ ኣመራርሓኡ ዝገልጽ ‘ጎይታ’ ዝብል ዘይወግዓዊ ሽመት ዝነበሮ ኦሊቨር ክሮምዌል፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ብሰዓብቲ እምነት ፕሮቴስታንት ንዝተወከለ ገዚፍ ሰራዊት መሪሑ ንንጉስ ዳግማዊ ቻርለስ ድሕሪ ምስዓር፡ ንኢንግሊዝ ካብ 1653 ጀሚሩ ክሳብ ዝመዉት ንሓሙሽተ ዓመታት ክመርሓ ክኢሉ

ንኽዳን 1.6 ሚልዮን ዶላር ዘባኸነ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት

ፈረንሳ ጥራይ ብስሙን ብስም ደቁን ዛጊት 60 ሚልዮን ኤውሮ (82 ሚልዮን ዶላር) ኣብ ምቾት ዝህቡ ክቡራት መጋየጺታት ኣባኺኑ ምህላዉ ድማ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ጸብጻቡ ወሲኹ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ልዕሊ ሰለስተ

ርብዒ ካብ ዜጋታቱ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት እናነበሩ ክንድዚ ዝኣክል ሃብቲ ኣብ መጋየጺታት ከባኽኖ ምኽኣሉ “ዘደንጹ’ዩ” ክብሉ ሓያለ ነቲ ጸብጻብ ዝተኸታተሉ ወገናት

ርእይቶ ይህብሉ ኣለዉ። ጸብጻባት ከምዝሕብሩዎ፡

መራሒ ጊኒ ቴዶሮ ኦቢያንግ ንጉመ ባሰጎን መራሒ ጋቦን ዝነበረ ዑመር ቦንጎን ዝርከብዎም ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ፈረንሳ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ሃብቲ ኣኻዕቢቶም ከምዘለዉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ንኣብነት መራሒ ጊኒ 150 ሚልዮን ኤውሮ ዝወድአ ዘመናዊ ህንጻ ብስም ወዱ ኣብ ፓሪስ ክዕድግ ክኢሉ ምህላዉ ይሕበር።

ብሰንኪ ፍትሕ ምስ ወዱ ጸዲፉ ዝሞተ ኣመሪካዊ

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ክነብር ከምዝጸንሐ ዝተነግረሉ ዲሚትሪ ካናሪኮቭ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ንወዱ ብመስኮት ደርብዩ ድሕሪ ምቕታል ንሱ’ውን ኣሰሩ ስዒቡ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ፡ እቲ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ነቲ ኣርባዕተ

ዓመት ዘይመልአ እንኮ ወዱ ካብ መበል 52 ደርቢ እዩ ብመስኮት ደርብዩዎ። ሒደት ካልኢታት ጸኒሑ ድማ ንሱ ንባዕሉ በቲ መስኮት ብምዝላል ኣሰሩ ስዒቡ። ድሕሪ’ቲ ትራጀዲያዊ ፍጻመ ብኣንቡላንሳት ተሰንዩ ብኡ ንብኡ ናብቲ ቦታ

ደበኽ ዝበለ ፖሊስ ኒውዮርክ፡ ነቲ ትልኽ ክብል ዝጸንሖ ህጻን ኣልዒሉ ናብ ሆስፒታል ከብጽሖ’ኳ ፈቲኑ እንተነበረ ኣብ መንጎ ግን ጠሊምዎ። እንተ ኣቦኡ ግን ህይወት ስለ ዘይነበሮ ተጸይሩ ንመርመራ ናብ ሆስፒታል’ዩ ኣምሪሑ።ፖሊስ ድሒሩ ክርዳእ ከምዝኸኣለ፡ እቲ መንእሰይ ምስታ እምብዛ የፍቅራ

ምንባሩ ዝተነግረላ በዓልቲ-ቤቱ ድሕሪ ምፍትሑ ወዱ ሒዙ’ዩ ንበይኑ ኣብ ገዛኡ ክነብር ጸኒሑ። ንሱ፡ ድሕሪ’ቲ ፍትሕ ናብ ገዛ በዓልቲ-ቤቱ ነበር እናኸደ ንወዱ ክበጽሖን

ክርእዮን ብቤት-ፍርዲ ተፈቒዱሉ ኔሩ። ኮይኑ ግን ነቲ ናይ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ብምጥሓስ ንወዱ ካብ ኣደኡ መንጢሉ ምስኡ ከምዝቕመጥ ጌሩዎ። ከምዚ ኢሉ ንገለ መዓልታት ድሕሪ ምቕጻል ግን፡ ብፖሊስ ተሰንዩ ነደኡ ከረክቦ በቲ ቤት-ፍርዲ ቆጸራ ተታሒዝሉ። ልክዕ ኣብታ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ነቲ ዘሰቅቕ ትራጀዲ ምፍጻሙ ከኣ ንሓያለ ወገናት’ታ ሃገር ኣስደሚምዎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ትራጀዲታት ክፍጸም እዚ ናይ ፈለማ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን ኣብ ኒውዮርክ ሓንቲ ኣደ ንዕሸላ ሓቚፋ ካብ ሻሙናይ ደርቢ ህንጻ ብመስኮት ጸዲፋ ኔራ እያ። በቲ ዝወሰደቶ ነብሰ-ቅትለታዊ ስጉምቲ፡ ንሳ ህይወታ ክትስእን ኣንከላ እቲ ወዲ 10 ኣዋርሕ ዕሸላ ግን ክድሕን ክኢሉ።

ኔሩ። ኣብ እዋን መሪሕነቱ ድማ እቲ ካብ ዝፋኑ ዝተዓልወ ንጉስ ዳግማዊ ቻርለስ ክቕተል ኣዚዙ። ጆሴፍ ስታሊን

ብወገኑ ንሕብረት ሶቬት ካብ 1922 ኣትሒዙ ክሳብ ዝመዉት ማለት ክሳብ 1953 ክመርሓ እንከሎ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ተሪር ፖሊሲኡ ንሚልዮናት ዜጋታቱ ግዳይ ከምዝገበረ ብምዕራባዉያን ተመራመርቲ ታሪኽ ይውቀስ።

እንተኾነ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲን ፖለቲከኛታትን ሩስያ፡ ስታሊን ኣብ እዋን መሪሕነቱ ዝኽተሎም ዝነበረ ዘይፍትሓዉያን ዝመስሉ ፖሊሲታትን ዝወስዶም ዝነበረ ስጉምቲታትን ንስለ ድሕነት ሕብረት ሶቬት ምንባሮም ብምግላጽ፡ ስሙ ኣብ ዝርዝር ስም ሓርበኛታት’ታ ሃገር ክሰፍር ከምዘለዎ ይምጉቱ።

ስታሊን ካብ ክሮምዌል ይጭክን ከምዘይነበረ ዝገለጸ ፑቲን

ኣዋልድ ቀልጢፈን ከምዝልብማ ዘረጋገጸ መጽናዕቲህጻናት ካብ ዓስራይ ዓመተን ብኣእምሮ ክበስላ ክጅምራ እንከለዋ፡ ብኣንጻሩ ድማ ኣእምሮ ናይ መብዛሕቲኦም ደቂ-ተባዕትዮ ናይ ምብሳል መስርሕ ክሳብ ዝጅምር ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመታት ግድን ክጽበ የድልዮ። እዚ ማለት ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ምስተወልደ ክሳብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት ዘቑጽር ብስለት ኣይህልዎን። እቶም ተመራመርቲ፡

ንፍልልያት መስርሕ ብስለት ኣእምሮ ክልቲኡ ጾታ ካብ ምዕዛብ ሓሊፎም እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክርድእዎ ኣይካኣሉን ዘለዉ።