12
መበል 25 ዓመት ቁ.100 ዓርቢ 25 ታሕሳስ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 7 “ንስነ-ጥበብ ስለዘፍቅሮ’ምበር . . .” ዉርይቲ ተዋሳኢት ፊልም - መረብ ስቲፋኖስ ገጽ 3 ዳግማዊት ሄለን ከለር - ኤርትራዊት ሓበን ግርማ! ገጽ 5 ንዝተዋሓስክዎ ተኸሳሲ ቤት ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ ይብለኒ? ገጽ 4 ስመይ ክነግረካ፡ ስምካ ንገረኒ ገጽ 9 “ሓላፍነት መደብ ግራስ ሩት ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ሃገራዊ ፈደረሽን እዩ።” ኡልሪኽ ማቲው ዒድ መውሊድ ኣ’ነበዊ ኣ’ሸሪፍ፡ ብ23 ታሕሳስ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ። ኣብ ኣስመራ - መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ብልዑል መዓርግ ተባዒሉ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን፡ ንመላእ መእመናን “እንቋዕ ናብ’ዚ ክቡር በዓል ኣብጽሓና” ድሕሪ ምባል፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ’ቲ በዓልን ትርጒሙን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ዘኽታማት ኪንሕግዝን ስድራ ስዉኣት ክንኣልን ክንሕብሕብን ድማ ምኽሮም ለጊሶም። ሸኽ ኣልኣሚን ኣስዒቦም፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ንዘለዉ ኩሎም ረቢ ክሕልዎም፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ልምዓትን ምዕባለን ክትምርሽ፡ 2016 ድማ ዓመተ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ክትከውን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም። ኣቦ-መንበር ጉባኤ ኣውቃፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድ-ስዒድ በሺር ብወገኑ፡ ንታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ናይ’ቲ በዓልን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ደቂ-ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ተኸባቢሮም ንኽነብሩ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና ገሊጹ። እቲ ስነ-ስርዓት፡ መሻይኽ፡ ተማሃሮን መምህራንን ብዘቕረብዎ መንፈሳዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ። [ እዚ ዜና’ዚ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም ክወጽእ ነይሩዎ። ኣይተገብረን ግን፡ ብቴክኒካዊ ምኽንያት። ስለ’ዚ ድማ ምስናይ ኣኽብሮት ይቕሬታ ንሓትት ] ኤርትራውያን ነበርቲ ካስል - ጀርመን፡ ሃገራዊ መደባት መኸተ ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ፡ “ቅኒት ውሁድ ስትራተጂ ግሎባዊ ኤርትራውያን ነበርቲ ካስል - ድሉዋት ንዓወት ሃገራዊ መደባት መኸተ” ብዝብል ቴማ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ዘቃንዑዎ ንውዳቤኦምን ኣበርክቶኦምን ኣብ ዝምልከት ኣኼባ ኣረጋጊጾም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ንህልው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ንጥፈታትን ገስጋሱን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓቱ ሓያሎ መደባት ልምዓትን መኸተን ይሰላሰሉ ምህላዎም፡ ድሙቕ ኣሰሮም ድማ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣቶ ዮውሃንስ ብተወሳኺ፡ ቈንስላዊ ኣገልግሎት ንምውርጻጽ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታትን መስርሕ ምቕያር ወረቐት መንነትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ነዚ ብምልኣት ንምትግባር፡ ተራን ውህደትን ዜጋታት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ። ወኪል ህዝባዊን ኮማዊን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብወገኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ተጻብኦታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ መስመር ረጊጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝመጽእ ዘሎ ብምዃኑ፡ ፍሽለቱ ከይተበገሰ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣበርክቶ ኤርትራዊያን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን መደባትልምዓትንዘብርህመግለጺታት ብኣባላት ኤምባሲ ተዋሂቡ። ስ/ ዮውሃንስ መብራህቱ

ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ብልዑል መዓርግ ተባዒሉ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_25122015.pdfሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 2 \\\\\

  • Upload
    others

  • View
    11

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

  • መበል 25 ዓመት ቁ.100 ዓርቢ 25 ታሕሳስ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

    ገጽ 7“ንስነ-ጥበብ ስለዘፍቅሮ’ምበር

    . . .”ዉርይቲ

    ተዋሳኢት ፊልም - መረብ ስቲፋኖስ

    ገጽ 3ዳግማዊት ሄለን ከለር -

    ኤርትራዊት ሓበን ግርማ!

    ገጽ 5ንዝተዋሓስክዎ ተኸሳሲ ቤት

    ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ ይብለኒ?

    ገጽ 4ስመይ ክነግረካ፡ ስምካ

    ንገረኒ

    ገጽ 9“ሓላፍነት መደብ ግራስ

    ሩት ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ሃገራዊ ፈደረሽን እዩ።”

    ኡልሪኽ ማቲው

    ዒድ መውሊድ ኣ’ነበዊ ኣ’ሸሪፍ፡ ብ23 ታሕሳስ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።ኣብ ኣስመራ - መስጊድ ኣልኹላፋእ

    ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን

    ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ብልዑል መዓርግ ተባዒሉ

    ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን፡ ንመላእ መእመናን “እንቋዕ ናብ’ዚ ክቡር በዓል ኣብጽሓና” ድሕሪ ምባል፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ’ቲ በዓልን ትርጒሙን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ዘኽታማት ኪንሕግዝን ስድራ

    ስዉኣት ክንኣልን ክንሕብሕብን ድማ ምኽሮም ለጊሶም።ሸኽ ኣልኣሚን ኣስዒቦም፡ ኣብ

    ምክልኻል ሃገር ንዘለዉ ኩሎም ረቢ ክሕልዎም፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ልምዓትን ምዕባለን ክትምርሽ፡ 2016 ድማ ዓመተ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ክትከውን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

    ኣቦ-መንበር ጉባኤ ኣውቃፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድ-ስዒድ በሺር ብወገኑ፡ ንታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ናይ’ቲ በዓልን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ደቂ-ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ተኸባቢሮም ንኽነብሩ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና ገሊጹ።

    እቲ ስነ-ስርዓት፡ መሻይኽ፡ ተማሃሮን መምህራንን ብዘቕረብዎ መንፈሳዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ። [ እዚ ዜና’ዚ ኣብ ናይ ትማሊ

    ሕታም ክወጽእ ነይሩዎ። ኣይተገብረን ግን፡ ብቴክኒካዊ ምኽንያት። ስለ’ዚ ድማ ምስናይ ኣኽብሮት ይቕሬታ ንሓትት ]

    ኤርትራውያን ነበርቲ ካስል - ጀርመን፡ ሃገራዊ መደባት መኸተ ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ፡ “ቅኒት ውሁድ ስትራተጂ ግሎባዊ

    ኤርትራውያን ነበርቲ ካስል - ድሉዋት ንዓወት ሃገራዊ መደባት

    መኸተ” ብዝብል ቴማ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ዘቃንዑዎ ንውዳቤኦምን ኣበርክቶኦምን ኣብ ዝምልከት ኣኼባ ኣረጋጊጾም።

    ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ንህልው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ንጥፈታትን ገስጋሱን

    ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝሓቱ ሓያሎ መደባት ልምዓትን መኸተን ይሰላሰሉ ምህላዎም፡ ድሙቕ ኣሰሮም ድማ

    ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ገሊጹ።ኣቶ ዮውሃንስ ብተወሳኺ፡ ቈንስላዊ

    ኣገልግሎት ንምውርጻጽ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታትን መስርሕ ምቕያር ወረቐት መንነትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ነዚ ብምልኣት ንምትግባር፡ ተራን ውህደትን ዜጋታት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።ወኪል ህዝባዊን ኮማዊን ጉዳያት

    ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብወገኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ተጻብኦታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ መስመር ረጊጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝመጽእ ዘሎ ብምዃኑ፡ ፍሽለቱ ከይተበገሰ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣብሪሁ።ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኣበርክቶ

    ኤርትራዊያን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን መደባት ልምዓትን ዘብርህ መግለጺታት ብኣባላት ኤምባሲ ተዋሂቡ።

    ስ/ ዮውሃንስ መብራህቱ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

    ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊት እትሕተም ጋዜጣ

    ምስጋና ተዓገስ ኣስቴር ካሕሳይ

    ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

    ለይ-ኣውት

    ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምትሕብባር ጨናፍር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርቲን፡ ኩነታት ጥዕና ተማሃሮ ፈሊጥካ ሕክምናዊ ረዲኤት ንምግባር ዝዓለመ መርመራታት ይካየድ ኣሎ። ክኢላ ሕክምና ዓይኒ ሲስተር

    ለተብርሃን ዓንደመስቀል፡ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝርከባ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ሓፈሻዊ መርመራታት ጥዕና ይካየድ ከምዘሎ ገሊጻ።

    ጥዕና ተማሃሮ ንምክትታል መርመራታት ይካየድ

    በቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት፡ ብዙሓት ተማሃሮ ናይ ምስማዕን ምርኣይን ፈኲስን ከቢድን ጸገማት ከምዝጸንሖም ዝሓበረት ሲስተር ለተብርሃን፡ ወለዲ ጸገማት ደቆም ንምልላይ ትኲራት ክኾኑ ኣተሓሳሲባ።ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ

    ዞባ ማእከል ሓላፊ ምክትታል ጥዕና ተማሃሮ መምህር ኤፍሬም ስዩም ብወገኑ፡ ወለዲ ንደቆም ብዘይካ’ቲ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን

    ዝገብሩሎም ምክትታል፡ ጥዕናኦም ብፍላይ ድማ ኩነታት ኣዒንቶም፡ እእዛኖም፡ ኣፍንጫኦምን ኣፎምን ብኣድህቦ ክከታተሉ ተላብዩ።ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝሓለፈ 3

    ዓመታት ብዝተገብረ መርመራታት፡ ናይ ምርኣይ ጸገማት ከምዘለዎም ንዝተለለዩ 948 ተማሃሮ መነጽር ክዕደል እንከሎ፡ ብሰንኪ ዘይእኹል ጥንቓቐ ኣስናኖም ዝተበላሸወ ድማ ግቡእ ሕክምና ከምእተገብረሎም ይፍለጥ።

    ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንግዳያት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ናይ ምኽርን ማዕዳን ኣገልግሎት ንምሃብ ዝሕግዝ ፡ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጽኡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ጎስጓስን

    ሓበሬታን ኣቶ መሓመድ ንጉሰ፡ ብዛዕባ ኩነታትን ዝርጋሐን ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ኣብ ሃገርናን ዞባናን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ንወለንታዊ መርመራ፡

    ደ.ቀ.ባሕሪ - ኣስተምህሮ ብዛዕባ

    ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ

    ዓይነት መርመራን መሳርሒታትን፡ መናውሒ ዕድመ መድሃኒት፡ ተበለጽቲ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስራሕ ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋታትን ኣገባብ መከላኸሊኡን ዝምልከት ሰፊሕ መረዳእታ ኣቕሪቡ። ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ብክልሰ-

    ሓሳብ ግብሪን ዝተሰነየ ኣስተምህሮ፡ ዝተማህርዎ ኣብ ግብሪ ብምትርጓም ጥዕና ዜጋታት ንምሕላው ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

    ስ/ ዒሻ መሓመድ

    ስ/ ዮናታን የዕብዮ

    ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ በረኽቲ ጎቦታት ዝወርድ ወሓይዝ ብግቡእ ኣልዮም ኣብ ሕርሻዊ መዓላ ንምውዓሉ ሓያል ጻዕሪ የካይዱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

    ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዝሃረመ ዝናብን ካብ ከበሳ ብዝወረደ ውሕጅን፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሄክታር ከምዝሰተየ እንተኾነ ዓግም ብምስባሩ፡ ኣስታት 2 ሽሕ ሄክታር ከም’ቲ ዝድለ ማይ ክረክብ ከምዘይከኣለ ገሊጾም።

    ፍግረ-መሬት ንምፍዋስን ማይን ሓመድን ንምዕቃብን፡ ዓመት ምሉእ ሓያል ንጥፈታት ከምዘካይዱ እቶም ሓረስቶት ጠቒሶም፡ ሎም ዘመን ብዘሎ ብርቱዕ ክራማት ባሕሪ፡ ኣብ ግራውቶም ጉድኣት ከምዝወረደ፡ ንምሕዋዩ ድማ ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

    ናይ’ዚ ዓመት ህጡር ክራማት ምብራቓዊ ጐላጒል፡

    እቶታውነቶም ብምዕባይ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ

    ሓረስቶት ሽዕብ ንጥፈታቶም ንምድንፋዕ ይጽዕሩ

    ብምሕባር ድማ፡ ተሃስዩ ዘሎ መሬት ብኣጋ ንምጽጋን ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክግበረሎም ኣዘኻኺሮም።

    ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ

    12፡00 At @ glance12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ካብ ዞባታት 13፡30 ዜና ዓረብ13፡45 ሄሎ ደባይዋ ብቐጥታ15፡30 ሞዛይክ18፡10 መደብ ኖሪት 19፡00 ዜና ትግረ19፡15 The doctor E-21 20፡00 ዜና ዓረብ 20፡20 ልዝብ መንእሰያት 21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 መርሓባ22፡15 ዜና እንግሊዝ22፡30 The doctor E-2023፡20 Film

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 3

    “ሕልምኻን ባህግኻን ሃብታም እንተ ጌርካዮ ዝገጥሙኻ ዕድላት ደረት ኣልቦ እዮም።” መሪሕ ጥቕሲ ኤርትራዊት መንእሰይ ሓበን ግርማ እያ። ንሳ ምስማዕን ምርኣይን ዝተነፍጋ (deaf and blind)፡ ቀዳመይቲ ምርቕቲ ሕጊ ሃርቫርድ ዩንቨርስቲ እያ።ሓበን ግርማ ኣብ ኣሜሪካ እትቕመት

    ጓል 26 ዓመት ኤርትራዊት-ኣሜሪካዊት እያ። ሓበን ካብ እትውለድ ኣትሒዛ’ያ ናይ ምርኣይን ምስማዕን ስንክልና ኣጋጢምዋ። ወለዳ ጥዕንኣ ናብ ንቡር ክመልሱ ዘድሊ ሕክምናዊ ጻዕሪ እኳ እንተገበሩ ክሰምረሎም ኣይከኣለን። ድሕር’ዚ ሓበን፡ ትምህርታ ብብሬል ክትከታተል’ያ ጀሚራ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኮለጃት ኣሜሪካ ክትምሃር ድሕሪ ምጽናሕ እምበኣር፡ ድሕሪ ሄለን ከለር፡ ምርኣይን ምስማዕን ዝተሳእና ተማሃሪት ሃርቫርድ ዩንቨርስቲ ብምዃን፡ ኣብ 2013 ቀዳመይቲ ምርቕቲ ዓውዲ ሕጊ ናይ’ቲ ዩንቨርስቲ ክትከውን በቒዓ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 2010 ካብ ሊውስ ክላርክ ኮለጅ ብልዑል ነጥቢ (great distinction) ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ። ሓበን ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ

    እዋን፡ ህነጽ (ቢዩልድ ኦን) ብዝብል ስም

    ዳግማዊት ሄለን ከለር - ኤርትራዊት ሓበን ግርማ!

    ናብ ዝፍለጥ ኣብ ማሊ ዝርከብ ኣብ ልምዓትን ሰላምን ኣተኲሩ ዝነጥፍ ትካል ክትከይድ ድሌት ከም ዘለዋ ንወላዲኣ ገለጸትሉ። ወላዲኣ ግና ንድሕነታ ክብል ‘ኣትማን ኣለዉ፡ ዓሶ ኣሎ፡ ብሓፈሻ ንድሕነትኪ ውሑስ ኣይኮነን’ ብምባል ንሕቶኣ ከም ዘይተቐበሎ ሓበን ትገልጽ። ወላዲኣ ከምኡ ዘበለሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝነበሮ ሓልዮትን ፍቕርን ዝነቐለ ምዃኑ ድማ ተረድእ። ሓበን ከይተሓለለት ንወለዳ ከተእምኖም ስለ ዝኽኣለት ግና፡ ምስዚ ዝተጠቕሰ ትካል ናብ ማሊ ብምጓዓዝ ንስንኩላን ዘነቓቕሑ ንጥፈታት ኣብ ምስላጥ ተጸሚዳ። ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ማሊ ዝህነጹ ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ጉልበታ ከይበቐቐት ስሚንቶ ብምብዓጥ ‘ዘይክኣል የሎን’ ዝብል ኒሓ ብግብሪ ኣርእያ። ከምቲ ሄለን ከለር ኣምባሳደር ስንኩላን ብምዃን ትሑት ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ንምልዋጥ ኣብ መላእ ዓለም ዘይራ ዓበይትን ጸላውን መደረታት ዘቕረበት፡ ሓበን’ዉን ኣሰራ ብምሓዝ ድሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራት ኮስታሪካ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ብምብጻሕ ዓበይቲ

    መደረታት ኣቕሪባ ኣላ። ምርኣይን ምስማዕን ዝስኣኑ ዕድል

    ትምህርቲ ንክረኽቡ ብዘካየደቶ ጻዕርን ስራሕን፡ ዋይት ሃውስ ዓመታዊ ኣብ ዘዳልዎ መደብ ንለውጢ ዝቃለሱ ውልቀ ሰባት፡ ሓበን ግርማ ንለውጢ ካብ ዝተቓለሳ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ተርታ 13 ብምስራዕ ኣፍልጦ ሂብዋ። እቲ መደብ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበረ ሰብ ዓቢ እጃም ንዘበርከቱ ሰባት ኣፍልጦ ዝህብ’ዩ። ኣብ ሓምለ 2015፡ ኣብቲ ንዝኽሪ መበል

    25 ዓመት መዓልቲ ስንኩላን ኣሜሪካ ዝተገብረ በዓል፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዘዳለዎ ጽምብል፡ ሓበን ግርማ መደረ ከተስምዕ ዕድል ረኺባ ኔራ። ብዛዕባቲ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበትሉ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ ድማ ከምዚ ኢላ፦“ኣብቲ 21 ሓምለ 2015 ንመበል

    25 ዓመቱ ዝተዘከረ ኣዋጅ ኤዲኤ (American Disability Act ‘ADA’) ማለት መዓልቲ ኣካለ ስንኩላን ኣሜሪካ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጻዕዳ ገዛ (ዋይት ሃውስ) ተረኺበ ኔረ። ኤዲኤ ማለት ኣዋጅ ኣካለ ስንኩላን ኣሜሪካ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኩላን ንዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ተነጽሎ ኮነ ምግላል ዝቃለስ ኣዋጅ’ዩ። እዚ ኣዋጅ እዚ ‘ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ይኹኑ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ዩንቨርስትታት፡ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፡ ንኣካለ ስንኩላን ዝግባእ ክብሪን ኣገልግሎት ክህቡ ይግባእ’ ይብል።

    “ኣብቲ ዕለት ብዘይካ መደረ ምቕራብ ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ክራኸብ’ዉን ዕድል ረኺበ ነይረ። እቲ ዘስማዕክዎ መደረ ይኹን ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ዘካየድክዎ ዝርርብ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምርካብ ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ቴክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን ንኣካለ ስንኩላን ዘተኮረ ኔሩ።”ሓበን ካብ ዝተጎናጸፈቶ ዓወት ሓደ፡

    ቢቢሲ ኣብ ዘዳለዎ ‘ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝብል መደቡ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ኣብነታውያን ደቀንስትዮ ኣብ ዝመረጸሉ ናይ መጀመርያ ክፋል እዚ መደብ’ዚ፡ “ዘይተዘመረለን ጀጋኑ” ብዝብል ኣርእስቲ ን8 ደቀንስትዮ ጀጋኑ ኣፍልጦ ሂቡ። ሓበን ድማ መበል ሻዱሸይቲ ኮይና ክትርቋሕ ክኢላ። ቢቢሲ ኣብ መደቡ ንሓበን ከም ጅግና ክሰምያ ዝኽኣለሉ ምኽንያት፡ ስንኩላን ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ዝገበረቶ ኣበርክቶን ስራሕን ኣፍልጦ ንምሃብ’ዩ። እቲ መደብ ኣብ ሃገረን ለውጢ ንምምጻእ ዝሰርሓ ደቀንስትዮ ኣፍልጦ ንምሃብ’ዩ ኔሩ።ሓበን፡ ኣብ ዩንቨርስቲ ሃርባርድ

    ብኸመይ ትምህርታ ክትከታተል ከምዝኽኣለት ከተብርህ እንከላ፡ “ፈለማ ኣነ ይኹን እቲ ዩንቨርስቲ ብኸመይ ከም ዝብድሆ ጭቡጥ ሓሳብ ኣይነበረናን። ኣበርቲዐ ብምስራሕን ኣብ ነገራትን

    ኩነታትን እወታዊ ኣረኣእያ ብምምዕባልን ግና ንኹሉ ክገጥሞ ክኢለ፡’’ ብምባል ትገልጽ።

    ኣብ ሂወታ ካብ ዘጋጠምዋ ብድሆታት ክትገልጽ እንከላ ሓበን፡ “እቲ ዝዓበየ ዝገጠመኒ ጸገም፡ ሰባት ኣካለ ስንኩላን

    ምንም ክገብሩ ከም ዘይክእሉ ጌሮም ምሕሳቦም’ዩ።ብዙሓት ሰባት ምርኣይ ዝተሳእና’ያ፡ ብኸመይ ሕጊ ከተጽንዕ’ያ? ክትሕምብስ ኣይትኽእል፡ ክትስዕስዕ ኣይትኽእል፡ ስፖርት ክትጻወት ኣይትኽእል. . . ዝብል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኔርዎም። እዚ ከኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም። እንተኾነ ኣነ ዕድለኛ እየ። ብዙሓት እወታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣለዉኒ። እዚኦም ከኣ እዮም ንኽዕወት

    ዝሓገዙኒ፡” ትብል።ሓበን፡ ኣብ ሂወታ ዓቢ ኣበርክቶ

    ዝገበረትን ‘ምንጪ ዓወተይ’ ኢላ እትጠቕሳ ንኣዲኣ ወላዲታ ሳባ ገብረየሱስ እያ። “ናይ ወላዲተይ ናይ ስደት ጉዕዞ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምንባሩ ንዓይ ዝከኣል ከም ዘየለ ዝመሃረንን ዓቢ ተስፋን መተባብዕን ዝኾነኒ’ዩ። እትምነዮ ክትረክብ ዝክኣለካ ክትገብር ከምዘለካ ዝምሃረኒ’ውን ንሱ’ዩ፡” ትብል። ወለዲ፡ መምሃራንን ሕብረተሰብን ኣካለ ስንኩላን ኩሉ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ክኣምኑ ከምዘለዎምን ምንጪ ዓወት እወታዊ ኣተሓሳስባ ምዃኑን ብምግላጽ ድማ ከምዚ ትብል፤“ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ንኽዕወት

    ዘካይዶ ጻዕርን ተበላሓትነትን እንተሓሲብና፡ ንኹሉ ጸገም ፍታሕ ከም ዘለዎ ክንዕዘብ ንኽእል። ስለዚ ኣካላዊ ስንክልና ከም

    ጸገም ክውሰድ የብሉን።”ሓበን ኣብ ማዕበል ብምንስፋፍ ዝጽወት

    ሰርፍ ዝብሃል ስፖርት ከምኡ’ውን ሳዕስዒት ከም እተዘውትር ትገልጽ። ንሳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ትካል ተሓለቕቲ መሰል ኣካለ ስንኩላን፡ ጠበቓ ኮይና ትሰርሕ ኣላ። እዚ ትካል ንስንኩላን ብፍላይ ድማ ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ሰባት ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ ዝጣበቕን ዝሰርሕን ትካል’ዩ።ሓበን ምስ መራሒኣ ከልቢ

    ሓበን ምስ ስድረኣ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 4

    ኣማኑኤል በርሀ

    =ሰላማት ተናፋቒት።=ሓደርካ ገያሻይ፣ ቈጸራ መቸም

    ኣይትጠልምን ኢኻ። እንታይ ኣሎ ሓድሽ?=ትማሊ፡ በተን ኣብ ስእሊ ዘለዋ

    ክዳውንትኺ ኣላልየኪ ጸዊዐኪ’ንድየ፡ ግልጽ ከይበልክኒ ኬድኪ።=ተጋጊኻ ከይትኸውን። ኣይኮነን

    ስመይሲ ዋላ ንስመይ ዝመሳሰል እንተሰሚዐ’የ ቁሊሕ ዝብል። እምበርከ ስመይ ትፈልጦ ዲኻ?=ኣብ’ቲ ጎደና ሓርነት ብምሉእ

    ሓርነት ሸናዕ ትብሊ ኔርኪ። ዳህላክ ኢለ ጸዊዐኪ፡ ግልጽ ኣይበልክን። ሰምሃር እንተበልኩኺ ኣይሰማዕክንን። ደንደን ኢለ ጸዊዐ ስቕ ኢልኪ ኬድኪ። ዙላ እንተበልኩ ኣዱሊስ እንተደገምኩ፡ ዋላ ቢዘን ኢለ እንተጸዋዕኩኺ ስቕ ኢልኪ ምስ ከድኪ፣ ብርግጽ ግልጽ ክትብለኒ’ያ ኢለ ጽንዓት ኢለ ጸዊዐኪ’ውን ኣይመለስክለይን። ስምኪ ዘይትፈልጥዮ ምዃንኪ ኣደንጊጽክኒ።=ብሃውሪ ዲኻ ኣስማት እናቐያየርካ

    ትጽውዓኒ’ሞ። ኣነ’ኳ ምብራቕ’ዩ ስመይ።=ዓዲ ዓረብ ኬድኪ፡ “ሸርቕ”

    ማለት’ዩ እናበልኪ ክትትርጉምሎም፣ ሰብ እንግሊዝ እንተረኸቡኺ፡ “ኢስት” ማለት’ዩ ኢልኪ ክትገልጽሎም ተኸኽ ትብሊ ትኾኒ። ኣነ ግን በቲ ዓለም ብዓለማ እተድምጾ፣ ኣባሓጎታትንክ ተፈጥሮን ዝሃቡኺ ስምኪ እየ ጸዊዐኪ። =እሞ ስም ተጋጊኻ ኣለኻ።=ኣይተጋገኹን ሰምሃር እዩ ስምኪ።

    ወለድኺ ብጸጋን ጽባቐን ዝተመላእኪ ክትኮንሎም ሰምሃር ኢሎሙኺ። ዘንጊዕክዮ’ምበር እዚ ዓለም ብዓለማ ትፈልጦ ስምኪ’ዩ። ኣብ ማያትን

    ስመይ ክነግረካ፡ ስምካ ንገረኒ

    መሬትን ብዕንባባታትን ኣዕናቑን ዝወቀብኪ ሰምሃር ኢኺ ንስኺ።=ሕጂ’ውን ተጋጊኻ ኣለኻ።=ኣሃ. . . ዳህላክ ኢሎም ስለዝጽውዑኺ

    ፍልልይ ዘለዎ መሲሉኪ። እወ ሓቅኺ ዳህላክ’ዩ ስምኪ። ዳህላክ ኩሉ ጠማቲኺ፣ ዳህላክ ተፈጥሮ ከይበቐቐ ዝዓደኪ፣ ዳህላክ ወትሩ ንጽህቲ፡ . . ።=ኣይጥዓኻን ዘለኻ። ኮለል ከይበልካ፡

    “መን’ዩ ስምኪ?” ኢልካ ምሕታት ኣይምሓሸን?=ኣዱሊስ ክብሉኺ’ውን ሰሚዐ’ለኹ።

    ኣዱሊስ ዓሰርተታት ዘይኮነስ፡ ኣማኢት ዓመታት ዝዕድመኺ። ኣዱሊስ’ወ ጓል ጥንቲ። ኣዱሊስ ብዛንታ ዝዘቕበብኪ። ኣዱሊስ’ወ ቅድሚ ሰብኪ ዝሰልጠንኪ።=ክትውድሰኒ እንተደሊኻ’ውን እኮ

    ስመይ ንወደሳ ጥዑም’ዩ። ብስመይ ጌርካ ዘይትውድሰኒ።=ስምኪ’ንድየ ዝጽውዕ ዘለኹ’ሞ።

    ጽንዓት እኳ’ዩ ስምኪ። ኣይሂ እሳት ንዘጽሓየ ህዝቢ፣ ንርግጽ ለምለም ጥራይ እግሩ ኣብ ዳንዴር ተሓምበለ ዝበለ ሓፋሽ፣ ንዘናውጹ ናይ ግዳም ድምጽታት፡ ድምጺ ውሽጡ እናሰምዐ እዝኑ ዝለዀዀ ዜጋ፣ ቈርበቱ ብመግረፍቲ ከም ጨርቂ እናተገፈፈ፡ ምስጢሩ ዓቂቡ ዝተጸመመ ኣድሃ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዝመጽእ ናይ ሓጺንን ቃላትን ኲናት ከምዘይገርሞ ንምግላጽ፡ “ጽንዓት” ኣውጺኦሙልኪ ስድራኺ። ንእሳት ዘብርድ ተጻዋርነት፣ ኪኖ ሓጺን ዝጸንዕ ጽንዓት፣ ንእሾኽ ናብ ዕምባባ ዝቕይር ኣረኣእያ ዝውንን ህዝቢ፣ ሕልምታቱ ካብ ምትግባር ክዕንቅጾ ዝኽእል ሓጹራት ከቶ ክህሉ ከምዘይክእልን ምናልባት

    እቶም ሓጹራት እንተተተኽሉ’ውን ናይ ምስጋሮም ሜላ ከም ጻዕዳ ኢዱ ከምዝፈልጦምን ብጽንዓት ከምዝሰግሮምን ንምንጋር፡ “ጽንዓት” ሰምዮሙኺ።=ተሰልችወኒ ኣለኻ፡ ክዓጽወካ’የ።

    ምብራቕ’ዩ ስመይ’ኮ ኢለካ’የ።=ምብራቕ’ወ ስምኪ። ምብራቕ

    ምዃኑ ስምኪ ኣዳዕዲዐ’የ ዝፈልጥ። ጸሓይ ዕራርቦ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ዓለም ጸሓይ ብራቕ ምዃና ኣጸቢቑ ንዘለለሊ ህዝቢ፣ ከቶ ብርሃን ክኽወሎ ኣይክእልን’ዩ ንምባል’ዮም ምብራቕ ኢሎሙኺ። እንተደቀስካ ቀዝሒ፣ እንተተሳእካ ዕርቃንን ጥምየትን፣ እንተሰጎምካ ሓርጎጽጎጽን ጎነጽን፣ እንተዕረፍካ እሾኽን ቋቚራን ኣብ ዝነበረሉ ረባጺ ዘመን፡ ብምትእምማን “ምብራቕ” ኢሎሙኺ - ኣብሪቖሞ ኸኣ። ከመይ ጌሩ ግን ስምኪ ክሳብ ክንድ’ዚ ይስወረኪ።=ስመይ ጠፊኡኒ’ኳ ኣይበልኩኻን።=በሊ ክትፈልጢ ከኣ ቢዘን’ዩ ስምኪ።

    ብፍቕርን ስኒትን ዘጓዕዘኪ ዘሎ ቅዱስ ስምኪ። ደንደን’ንድዩ ስምኪ፣ ብሓርነት ሸናዕ ዘብለኪ። ባርካ እኳ’ዩ ስምኪ፡ ብጸጋታትክን ጽባቐታትክን ዘሐብነኪ። መን እየ ኢልኪ ደኣ’ሞ ብኹርዓትን ብሓርነትን ሸናዕ ትብሊ ኔርኪ!?=ዕላልካ ሓጠቕ ይብለኒ’ሎ። ጽቡቕ

    ጌረ ምእንቲ ክሕዘካ፡ ንስኻኸ መን እዩ ስምካ?=ስመይን ስምክን ሓደ እኳ’ዩ።

    እንትርፎ ስሞም ካልእ መግለጺ መንነቶም ዘየለልዩ፡ ሓንቲ መጸውዒት ጥራይ ሒዞም ዝጓዓዙ፣ “መን ኢኻ?” እንተበልካዮም፡ ስሞም ዝጽውዑ የደንግጹኒ’ዮም። ምስኦም እንተዄንክስ ተሃሲኺ’ለኺ።=እስከ በል መን ኢኻ ንስኻኸ

    ንገረኒ።=ክልቴና’ኳ ኤሪትሮስ እዩ ስምና።

    ክልቴና ደቂ ቐይሕ ባሕሪ’ንዲና። በጃኺ ኢለኪ ከኣ ቀይርዮ እዚ ኣብ ፈይስ ቡክ ዘሎ ናይ መሕብኢ ስምኪ። እዚ ኩሉ ኣስማት ከለኪ፡ እንታይ ክዓብሰልኪ’ዩ “ሚያሚ” ዝብል መኸወሊ ስም ትጥቀሚ!?=ኣኽለካ በል። እቶም ዝተረፉ

    ኣስማተይ ባዕለይ ክፍትሾም’የ። ቻው ኤሪትሮሰይ።=ብሩኽ ቅንያት ኤሪትሮሰይ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 5

    ሳሙኤል ገብረብርሃን

    ቅድሚ ገለ እዋናት፡ ብቐረባ ዝብጽሓኒ ዘመደይ፡ “ብገበን ተጠርጢርካ” ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ ዋሕስ ተኺሉ ጉዳዩ ኣብ ደገ ኴይኑ ክከታተል ድማ ብቤት ፍርዲ ተፈቒድዎ። ኣነ ድማ’የ፡ “ኣብ ዝተደለየሉ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ’የ” ኢለ ገንዘብ ኣትሒዘ ተዋሒሰዮ። እዚ ኰይኑ ከብቅዕ፡ ወዮ ዝተውሓስክዎ ዘመደይ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከመዝኣትወ ድሃዩ ጠፊኡኒ ኣሎ። ክረኽቦ ኩሉ ዝክኣለኒ ፈቲነ ኣይከኣልኩን። ከይረኸብክዎ “ኣቕርቦ” ተባሂለ እንተደኣ ዘይሰሊጡንስ፡ ብሕጊ እንታይ ሳዕቤናት ክመጸኒ እኽእል?

    ሄኖክ - ሓጋዝ

    ኣልዒልካዮ ዘለኻ ነጥቢ ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ንኽጓተቱን ክውንዘፉን ምኽንያት ዝዀኑ ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ብመሰረቱ፡ ብገበን ዝተኸሰሰ ሰብ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምእንቲ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሕ

    ንዝተዋሓስክዎ ተኸሳሲ ቤት ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ ይብለኒ?

    ወይ ድማ ዋሕስ ጌሩ ከም ዝወጽእ’ዩ ዝግበር። ንኣብነት፡ ተኸሳሲ ነቲ ገበን ስለ ዘይኣመነሉ ናይ ኣኽባር-ሕጊ መሰኻክር ንኽቐርቡ ቈጸራ ዝዋሃብ እንተደኣ ዄይኑ፡ ጉዳይ ውሕስነት ክልዓል ግድነት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት (ተኸሳስን ኣኽባር-ሕጊን) ሓሳብን ምኽንያትን ሰሚዑ፡ ንተኸሳሲ ብዋሕስ ከፋንዎ ወይ ኣብ ቀይዲ ከጽንሖ ይውስን። ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ኸኣ፡ ብመሰረት እዚ መምርሒ’ዚ ቤት ፍርዲ ንተኸሳሲ ዋሕስ ብምትካል ካብ ቀይዲ ክፋኖ ኣፍቂዱሉ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ተኸሳሲ ኣብ ዕለተ ቈጸራኦ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ እንተደኣ ዘይቀረበ፡ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ? እዩ ሕመረት ናይቲ ሕቶ።ብዋሕስ ዝተፋነወ ተኸሳሲ ኣብ

    ዕለተ ቈጸራኡ እንተደኣ ዘይቀሪቡ፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብቲ ምኽንያት ዘይመቕረቢኡ ተበጊሱ’ዩ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ዝወስድ። ዘይቀረበሉ ምኽንያት ቅቡል እንተደኣ ዄይኑ፡ ዕለተ ቈጸራ ናብ ካልእ

    መዓልቲ ከም ዝሰጋገር’ዩ ዝግበር። እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ዘይብቑዕ ኰይኑ እንተደኣ ተረኺቡ ድማ፡ ተወሳኺ ቈጸራ ከም ዘይወሃብ’ያ መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዓንቀጽ 94/2-ሀ ተስምዕ። ኣብዚ ክንግዘቦ ዝግብኣና ግን፡ ተወሳኺ ቈጸራ ዘይዋሃብ እንተኣ ኰይኑ ኸኣ፡ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ ጉዳይ ምስማዕ ይቕጽል ማለት ኣይኰነን፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣቱ’ዩ ዝግበር። ብተወሳኺ፡ ዋሕሱ ተጸዊዑ ጸገሙ ተሰሚዑ ከከም ኩነታቱ ብውሕስነት ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ከም ዝገብር’ዩ ዝግበር። ምናልባት ኣብዚ ክዝረበሉ ዘለዎ፡ ዋሕስ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝዀነ ምኽንያት እንተደኣ

    ዄይኑ ንተኸሳሲ ከቕርቦ ዘይክኣለ፡ እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ክግበር ፍትሓዊ ኣይመስል። ስለዚ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ከቕርቦ ከም ዝፈተነ ቤት ፍርዲ እንተደኣ ኣሚኑ፡ ተወሳኺ ዕድላት እንዳሃበ ነቲ ገንዘብ ኣታዊ ከይገበረ ክጸንሕ’ዩ እቲ ፍትሓዊ ኣማራጺ። ተኸሳሲ ንኽቕየድ ዝተዋህበ ትእዛዝ ድማ ጸኒዑ ይቕጽል ማለት እዩ።ብጀካ እዚ ክብ ኢልና ዝረአናዮም

    ስጉምቲታት፡ ተኸሳሲ ኣብ መዓልቲ ቈጸራ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ዘይብሉ እዋን መጋባእያ ዝስማዕ ገዳያት’ውን ኣሎ። እዚ ማለት፡ ቤት ፍርዲ፡ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ፡ ኣኽባር-ሕጊ ዘቕርቦ ክሲን መርትዖታትን ሰሚዑ፡ ኣብ ናይ ኣኽባር-

    ሕጊ መርትዖታት ጥራይ ተመርኲሱ ውሳኔ ይህብ ማለት እዩ። ከምዚ ክግበር እንተደኣ ዄይኑ ግን፡ ንተኸሳሲ ወኪሉ ምኽንያት ዘይመቕረቢኡ ዘረድእ ሰብ ምስ ዘይቀርብ፡ ቤት ፍርዲ ንተኸሳሲ ብቐይዲ ከቕርቦ ፈቲኑ ምስ ዘሰልጦ ከምኡ’ውን እቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ካብ 12 ዓመታት ብዘይውሕድ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ዝከበርካ ሓታቲ፡ እቲ ንስኻ

    ዝተዋሓስካዮ ተኸሳሲ እንታይ ገበን’ዩ ፈጺሙ ብልክዕ ስለ ዘይገለጽካልና፡ ዝተዋሓስካዮ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ ክቕጽል ይኽእል ድዩ ኣይክእል ንጹር ሓሳብ ክንህበካ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ መምዘኒ ግን እዚ ዝጠቐስናዮ እዩ።

    ኣብ ቤት ፍርዲ ሲቪላዊ ክሲ ኣቕሪበ። ቤት ፍርዲ ክሰይ ተቐቢሉ ቈጸራ ጌሩለይ። ተኸሳሲ ቀሪቡ ብዛዕባ ዘቕረብክሉ ክሲ ብጽሕፉን ቃልን መልሱ ኣቕሪቡ። ድሒሩ ቤት ፍርዲ ምስ ክሰይ ኣተሓሒዘ ሓቅነት ጉዳየይ ከረጋግጹለይ ዝረቛሕኩዎም መሰኻክር ከቕርቦም ኣዚዙ። ሓደ ካብዚኣቶም ግን ክምስክር ፍቓደኛ ኣይኰነን ዘሎ። ናይ ቤት ፍርዲ መጸዋዕታ’ውን ክቕበለኒ ኣይደለየን ኣብ ዕለተ ቀጸራ ከምዘይቀርብ’ውን ሓቢሩኒ ኢዩ። ሕቶይ፡ ሓቅነት እናፈለጠ ካብ ምስክርነት ዝኣበየ እንታይ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣለዎ? ካልእ ምስክር ክቕዪር ከ ይፍቀደኒ ዶ?ክፍሎም ሳሙኤል - ኣስመራ

    ዝኸበርካ ክፍሎም፡ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ሕቶ ብቐጥታ ምስ መርትዖ ዝተሓሓዝ ጉዳይ እዩ። መርትዖ፡ ዝቐርብ ምጉት ሓቂ ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ንምእማን ብሰብ ጉዳይ ዝቐርብ ናይ ቃል ወይ’ውን ናይ ጽሑፍ መረድኢታት ኢዩ። ከምቲ ኣብቲ ሕቶ ቀሪቡ ዘሎ፡

    ምቕራብ መሰኻክር’ውን ሓደ ካብቶም ዝጥቀሱ ናይ ቃል መርትዖታት ኢዩ። ንስኻ’ውን ከም ከሳሲ መጠን፡ ምስ ናይ ክሲ ምልክታኻ ነዞም ዝስዕቡ ኣተሓሒዝካ ከተቕርብ ግዴታ ኣለካ።• ዝርዝር ኣስማት ናይ

    መሰኻኽርካን ዝጽዉዕሉ ዘለዉ

    ዕላማን።• ዝርዝር ናይ ጽሑፍ

    መርትዖኻን ምስ መን ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታን። • ቀንድን ቅዳሕን ናይቶም

    ኣብ ኢድካ ዝርከቡ ሰነዳት። • እተቕርቦ ምስክር ወይ

    ሰነድ ምስ ዘይህሉ ድማ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ሓበሬታ።ከም መትከል፡ ብመሰረት መሰጋገሪ

    ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ምስክርነቶም ክስምዑ ዝፍቀደሎም መሰኻክር፡ እቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ንመሰኻክር ዝምልከት ጥብቈ ኣስማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ጥራይ ኢዮም፡፡ እዚ ማለት፡ ኣብቲ ዝርዝር ናይ መሰኻክር ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብ ምስክርነት ክህብ ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ስለዚ፡ ንስኻ ሓታቲ’ውን፡ መነመን ክምስኩሩልካ ምዃኖም ኣቐዲምካ ዝርዝር ኣስማቶም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብካ ስለዝዀንካ፡ ኣቐዲምካ ዘይጠቐስካዮ ድሒርካ ክምስክረልካ እትደልዮ ዘለኻ ሰብ ከም ምስክር ከተቕርቦ ሕጊ ኣይፈቕደልካን ኢዩ። እዚ ዀይኑ እቲ መሰረታዊ መምርሒ፡ ምስ ክሲኻ ኣተሓሒዝካ ዝረቛሕካዮ ምስክር ከተቕርቦ ዘይክኣልካ ብብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ከተረድእ እንተደኣ ክኢልካ ግን፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝርዝር ዘየለዉ መሰኻክር ክቕበለካ ይኽእል እዩ። በዚ መንጽር ቀዳማይ ሕቶኻ

    መሊስናልካ ክንከውን ንትስፎ።ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት

    ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብቲ ካልኣይ ሕቶኻ ምስ እንሰግር ድማ፡ ‘ኣይምስክርን’የ’ ዝበለ ሰብ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ? እዩ ሕመረት ሕቶኻ። ኣብ ገለ እዋን ምስክር መጸዋዕታ ተላኢኺዎ ከብቅዕ ኣብ ግዜ ቈጸራ ከይቀረበ ይተርፍ እዩ ወይ’ውን ክምስክር ኣይመርጽን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንታይ ሕጋዊ ስጉምቲ’ዩ ዝውሰድ ንዝብል ነጥቢ፡ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ መልሲ ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ስጉምቲ ምውሳድ ነቲ ምስክር ብግቡእ መጸዋዕታ ከም ዝበጸሖ ምርግጋጽ ቀዳማይ ዝግበር ኢዩ። እንተደኣ መጸዋዕታ ብግቡእ ከምዘይበጸሖ ተረጋጊጹ ኸኣ፡ ዳግማይ መጸዋዕታ ከም ዝልኣኸሉ’ዩ ዝግበር። ካብዚ ሓሊፉ፡ መጸዋዕታ ብግቡእ በጺሒዎ ከብቅዕ፡ ብዘይ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ዘይርከብ ወይ ክምስክር ምስዘደሊ ግን፡ ቤት ፍርዲ ብመገዲ ፖሊስ ተቐዪዱ ክቐርብ ትእዛዝ ክህብ ይህብ።

    ‘ኣይምስክርን’የ’ ዝበለ ሰብ እንታይ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣለዎ?

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 6

    እቲ ናይቶም እንስሳታት ሓሳብ እዩ ፍሽኽ ኣቢሉኒ። ፍሽኽ ክብል ሓቀይ እየ። ሰብ ቋንቋ እንስሳታት ክርዳእ ይኽእለሉ ጥራይ ዘይኮነስ ዓርኪ እንስሳታት ዝነበረሉ ዘበን እዩ። ሰብ ብረትን ጥይትን ስለ ዘይነበሮ ድማ እንስሳታት ይኹኑ ኣዕዋፍ ካብኡ ዝፈርሑሉ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ዋልታን ኲናትን ስለ ዘይነበሮ ድማ እንስሳታት ካብኡ ይሃድሙሉ ዝነበረ ዘበን ኣይኮነን። ሰብ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣይሰልጠነን ነበረ

    እሞ እኽሊ ምዝራእን ምእታውን ይፈልጥ ኣይነበረን። ሃድን እንስሳታት ድማ ኣብዚ ዘበን እዚ ፍሉጥ ዕዮ ኣይነበረን። ሰብ ድኹም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኩሎም እንስሳታት ድማ ዝደኸመ ነበረ። ሰብ ከም ንስሪ ኣብ ሰማይ ክበርር ስለ ዘይኽእል፡ ንስሪ ንሰብ፡ “ንዓ ከመይ ከም ዝህደን ክምህረካ እየ” ይብሎ። ይኹንምበር ሰብ ክንፊ ስለ ዘይብሉ ኣብ ኣየር ክበርር ኣይኽእልን እዩ። ኣብ መሬት ክበልዓ ዘለዎ እንስሳ ምስ ዝርኢ ድማ ከም ንስሪ ክንቆት ኣይኽእልን። በዚ ምኽንያት ምኽሪ ንስሪ ክዕወት ኣይከኣለን። ሓንቲ ካብ ኣዕዋፍ ድማ፡ ነተን ኣንስቲ፡

    “ዕንጭራርን ፍረታትን ከመይ ከም ዝትሓዝን ዝእከብን ክምህረክን፡” ትብለን። ይኹንምበር ዑፍ ካብ ሰብ ኣዝያ ትንእስ እያ እሞ ቁሩብ ዕንጭራር በሊዓ ክትዕንገል ትኽእል እያ። ንሰብ ግን ክንደይ ዝኣክል ዕንጭራር ክትሕዘሉ ይከኣል? እተን ኣንስቲ ድማ ንኩሉ ሰብ ዝኸውን ዕንጭራር ክሕዛ ኣይከኣላን። ምኽሪ እዛ ዑፍ ድማ ከም ምኽሪ ንስሪ

    ሕብራዊት ብርዒ

    መም/ ኣብርሃለይ ሃብተ

    ክሰልጥ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ድማ ደቂ ሰብ፡ ኩሉ ግዜ፡

    ኩሉ ግዜ ብጥሜት ይሳቐዩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣዕዋፍን እንስሳታትን ዓብዪ

    ኣኼባ ጸውዑ። እንስሳታት ናይ ሰብ ጸገም ክፈትሑ ኣኼባ ጸውዑ። እዚ እዩ እቲ ፍሽኽ ዘብል ጉዳይ። ሓቂ ይሓይሽ ድማ እንስሳታት ናይ ሰብ ጸገም ክፈትሑ ካብ ምሕሳቦም ካልእ ፍሽኽ ዘብል ነገር እንታይ ክህሉ ይኽእል? ሃመማ ኣብ እንግድዓ ብዕራይ ኮይኑ “ከቢደካ ድየ?” ዝበሎ ዝመሳሰል ዓይነት ዋዛ ኮይኑ እዩ ድማ ዝስምዓካ። “ወዲ ሰብ ሽግሩ ክፈትሕ ስለ ዘይከኣለ እንስሳታት ኣብ ክንዳይ ተሸጊሮም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ንጸገም ወዲ ሰብ ክፈትሑ ኣኼባ ጸዊዖም።” ወዲ ሰብ ኣዝዩ ድኹም ዝኾነሉ ግዜ

    መሊኡ እዩ። ታሪኽ ወዲ ሰብ ድማ ብፍሽለት ወዲ ሰብ ዝመለአ እዩ። ‘ብላክ ደዝ’ ዝብሃል ፌራ፡ ኣብ ኣውሮጳ ኣፍደገ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክኩሕኩሕ እንከሎ ድኻም ወዲ ሰብ ኣርኣየ። ብላክ ደዝ ኣብ ማእከላይ ዘበን ኣሽሓት ኣውሮጳውያን ዘጥፍአ ፌራ እዩ። ናይቲ ዘበን እቲ ኤይድስ ክብሃል ድማ ይከኣል። ‘ብላክ ደዝ’ ኣናጹ ተሰኪመን ናብ ኣውሮጳ ዘእተዋኦ ፌራ እዩ። ነዚ ፌራ እዚ ድማ ማንም ደው ክብሎ ኣይከኣለን። ኣፋውስ እቲ ዘበን ይኹን ማንም ሓኪም ክረድኦ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረን። ሰብ ትም ኢሉ እዩ ቤቱ ክሳብ ዝኹሕኳሕ ዝጽበ። ‘ብላክ ደዝ’ ዝላገብ ሕማም እዩ እሞ ዘመዱ ሞይትዎ ክቀብሮ ኢሉ ዝደፍር ሰብ ኣይነበረን።

    ‘ኣብ ቅድሚ ፍልጠት ዘይሰዓር ጸላኢ የለን’ ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። ‘ፍልጠት ድማ ንኹሉ ሽግራት ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ከድንኖ እዩ’ ድማ ይብሉ። ሓቂ እዩ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ንብዙሕ ሽግራት ደቂ ሰብ ‘ስዩም’ ኣቢሉዎም እዩ። እዚ ሕጂ ንሰብ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ድማ ኣብ ግዚኡ ኢዱ ከም ዝህብሲ ምንም ኣየጠራጥርን። ግን ኩሉ ሽግራት ሰብሲ ብፍልጠት ክሰዓር

    ይኽእል ድዩ? ኣብዚ ዘበን እዚ ብዝሒ ፍልጠት ወዲ ሰብ ከም ሓመድ ምድሪ እዩ። በዚ ናይ ሎሚ ፍልጠት ካብ ርሑቕ ኬንኳ ንጸላኢኻ ክትወቕዖ ትኽእል። በዚ ናይ ሎሚ ፍልጠት፡ ውላድ ንዘይብሉ ክወልድ ክትገብሮ ይከኣል። በዚ ናይ ሎሚ ፍልጠት ማይ ዘይዘንቦ ከባቢ ማይ ከም ዝረክብ ክትግበሮ ይከኣል። በዚ ናይ ሎሚ ፍልጠት፡ ንሰብ ኩሊት ክትቅይረሉ፡ ኣእዳው ክትልቅበሉ፡ ቆርበት ክትቅይረሉ ይከኣል እዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ክትገብር ይከኣል። ካልእሲ ይትረፍ ከም በጊዕ፡ ከልቢ፡ ኣንጭዋ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ኣብ ቤት ፈተነ ክስርሑ ክኢሎም ኣለዉ። ይኹንምበር፡ ኣብዚ ፍልጠት ከም ሓመድ

    ዝተደለበሉ ዘበን ወዲ ሰብ ክፈትሖም ዘይከኣለ ሽሕን ሚእትን ጉዳያት ኣለዉዎ። ወዲ ሰብ ኣንጻር ሕማም ይኹን ድንቁርና፡ ጥሜት ይኹን ካልእ ጸገማት ክዕወት ምንም ዝጽግሞ ዘሎ መሲሉ ኣይረኣየካን እዩ። ብሓቂ ድማ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ጸላእቲ ኣብ ዝገብሮ ግጥማት ድማ ዓወት ኣይተፈለዮን። ይኹንምበር ሰብ ቀንዲ ጸላኢኡ ሕማም

    ኣይኮነን። ንሕማም ዘበናዊ ሕክምና ኢዱ ከም ዝህብ ገይርዎ ኣሎ ክብሃል ይከኣል። ድንቁርና’ውን ንሰብ ክዕወተሉ ዝኽእል ተጻባኢኡ ኣይኮነን። ብርሃን ፍልጠት ኣብ ዓለም ቀደድ ይብለሉ ኣብ ዘሎ ዘበን ድማ ድንቁርና ክዕወት ዘይሕሰብ እዩ። ንሰብ ግን ቀንዲ ጸላኢኡ ከምኡ ሰብ እዩ።

    ኣብ ርዋንዳ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሰብ ካልእ ፍጥረት ኣይኮነን ወሪርዎ። ኣብ ከም ‘ዎር ኦቭ ዘ ወርልድስ’ እትብል ልብ ወለድ ኤች ጂ ወልስ ዘሎ ፍጻመ ንሰብ ሰብ ማርስ ኣይኮኑን መጥቃዕቲ ፈንዮምሉ። ከምዚ እንተ ዝኸውን ነይሩ ኩሉ ዘርኢ ኣዳም

    ንገዛእ ርእሱ

    ካብ ድኻ ክሳብ ሃብታም፡ ካብ ሓያል ክሳብ ድኹም ኣብ ምምካት ጸላኢኡ ሓደ ምኾነ። ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ዝቐዘፈ ካልእ ፍጥረት ኣይኮነን። እዞም ኣይሁዳውያን ከምዚ ኣብ ናይ ግሪኻውያን ጽውጽዋያት ዘሎ ናይ ኣትላንቲስ ፍጻመ ድማ ኣየጓነፎምን። መሬት ሃሚሙ ኣይደበዮምን። ባሕሪ ሃሚሙ ኣይከደኖምን። ባህሪ ልቢ ኣኽፊኣ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይኣርበደቶምን። ነዚ ዝገበሮ ወዲ ሰብ እዩ። ብሓንቲ ለይቲ ብሓንቲ ቦምብ ኣሽሓት ጃፓናውያን ዝቐተለ ካብ ምድሪ ወጻኢ ዝመጸ ፍልጠት ኣይኮነን። እዚ ጭካነ እዚ ድማ ኣብ ሳልስቱ ኣብ ካልእ ከተማ ተደግመ። እዚ ፍጻመ እዚ ካብ መሬት ወጻኢ ዝተሃንደሰ ወራር ኣይኮነን። ኣብ መሬት፡ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተሓስበ እዩ። መሃዚኡ ድማ ወዲ ሰብ እዩ። ፈጻሚኡ ድማ ወዲ ሰብ እዩ። ወዲ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት መሊኹ

    እዩ። እንስሳታት ተመሊኾምሉ ኣለዉ። ይግዝእዎ ድማ። ንወዲ ሰብ ዘርዕድ ወይስ ዘስግእ ዝኾነ እንስሳ ድማ የለን። ከምዚኦም ዝበሉ እንስሳታት ኣብ መሳኹቲ ተለቭዥናት፡

    ኣብ ከም በዓል ‘ጁራሲክ ፓርክ’ ዝኣመሰሉ ፊልም ጥራይ እዩ ዝርከብ። ባህሪ ድማ ተገዚኡዎ ኣሎ። እቲ ክግዝኦ ዘየከኣለ ድማ ቅድሚ ምምጽኡ ክጥንቀቐሉ ይኽእል እዩ። ከም ሱናሚ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪን እሳተ ጎመራን ዝኣመሰሉ ኣዕነውቲ ነገራት ድማ ክሃድመሎም ይኽእል። ካብ ማርስ ድማ ስግኣት ዘለዎ ኣይመስልን። ካብ ጠፈር ዝመጹ ካልኦት ስግኣታት ድማ ክምክቶም ጸገም ዝህሉዎ ኣይመስልን። ሰብ ግን ክገዝኦ ዘይከኣለ፡ ኣዝዩ ኣዕናዊ

    ነገር፡ ኣብ ጥቓኡ ኣሎ። ሰብ ምስዚ ኩሉ ፍልጠቱ ንገዛእ ርእሱ ክመልኽ ኣይከኣለን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ወዲ ሰብ ከም ኣቶም ቦምብ ዝኣመሰለ ኣዕናዊ ድሌት ኣሎ። እዚ ቦምብ እዚ ‘ንዓይ ጥራይ’ ዝብል ድሌት እዩ። እዚ ካልእ ሰብ ከምዚ ናትካ ድሌት ከም ዘለዎ፡ ከምዚ ናትካ ድማ ንዕኡ ኣኽብሮት ከም ዝግብኦ፡ “ናተይ እዩ ዝሓሸ” ዝብል ናይ ካልእ ክቕበል ዘይደሊ ስሱዕ ድሌት እዩ። ሰብ ድማ ነዚ ድሌት ምስ ድሌት ካልኦት ከሳንዮ እንተ ዘይክኢሉ ካብ ገዛእ ርእሱ ከድሕኖ ዝኽእል ፍጥረት የለን።

    “ዘጊፍካ ኣሎኻ! ዘይትቕምቀም?”“ግዜ እንድየ ስኢነ።”“ግዜ ስኢንካ?”“እወ ግዜ ስኢነ። ግዜ ግዳ ትራ -“ ካብ ኣፈይ እየ መሊሰያ። ሓንሳብ ሓንሳብ

    ምሕላም ደስ ስለ ዝብለኒ፡ “እዚስ ከምዚ እንተ ዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” ዝብለሉ ግዜ ብዙሕ እዩ። ክብሎ ዝደሊ ነገራት ወይ ድማ ክህልወኒ ዝደልዮ ክረኽቦ እውን ዘይክእል እኹን ማለተይ እየ። ሽዑ ድማ “ግዜ ግዳ ትራንስፈር ዘይትገብርለይ” እየ ክብል ደልየ ነይረ። ሰብ ግዜ ትራንስፈር ክገብረልካስ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! ሕስብ ከተብሎሲ!

    ኣብ ሞባይልካ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክትክዝን ትኽእል ማለት እኮ እዩ። ግን ከኣ ንኽንድዚ ዝኸውን ግዜስ እንታይ ትኸፍለሉ ማለት እዩ? ሓደ ሓደ ግዜ መደወሊ ገንዘብ ትስእን

    እሞ ንዓርክኻ፡ “በጃኻ መደወሊ ስኢነ መደወሊ ዝኸውን ገለ ቁሩብ ገንዘብ ትራንስፈር ግበረለይ ወይ ድማ ኣሕልፈለይ፡” ትብሎ ኢኻ። ዓርክኻ ድማ ትራንስፈር ይገብረልካ።

    ኤሪተል ዝሓቶ ሕቶ የብሉን። ገንዘቡ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ናይ ትራንስፈር ዝገበርሉ ድማ ክልተ ቅርሹ ይወስዱ። ካብ ነፍሲ ወከፍ

    ትራንስፈር ድማ ክልተ ቅርሹ ይበልዕ - ኤሪተል። ደሓን ይእተዉ ዓማዊል። ክድውሉ ከለዉ የኽስብዎ። ገንዘብ ክስእኑ እንከለዉ ድማ ኣሕልፈለይ ኢሎም ካብ ኣዕሩኾም ስለ ዝሓቱ ናይ መተሓላለፊ ኣገልግሎት ንኤሪተል የኽስብዎ። ክልተ ቅርሺ ካብ ሓደ ሰብ ስለ ዝወሰደ ኤሪተል ይኸስብ ከም ዘሎ፡ “ንሳንቲም ኣክባ እሞ ቅርሺ ባዕላ ክትእከብ እያ፡” ዝብል ምስላ ዝተመሰለሎም፡ ዘይርድኦም ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። “ግዜ ትራንስፈር ክኸውን ይኽእል እዩ፡

    ” ኢልና ንግዜኡ ንሕሰብ። “ሰከንድ ደኣ እንታይ ክትኮነኒ እያ? ውሰድ። ዋላ ዓሰርተ ደቒቕ እውን ክህበካ፡” ዝብሉ ኣይምተሳእኑን ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣይምተሳእኑን ጥራይ ዘይኮነስ ሚልዮናት እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። “ንሓንቲ ደቒቕ ክንደይ ክትከፍለኒ

    ትኽእል ጥራይ ንረዳዳእ” ዝብሉ ሚልዮናት እዮም። “ኣብ ዋጋ ጥራይ ንረዳዳእ።” እዚኦም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ምናልባት ኣብ ክንዲ ብናይ ገንዘብ ወረቐት፡ ወርቂ ክቡር እዩ እሞ “ብወርቂ ክትከፍለኒ ኢኻ” ይብሉ ይኾኑ። “ንሓንቲ ዓመት ኪሎ ወርቂ ክትከፍለኒ ኢኻ” ኢሎም ድማ ይከራኸሩ ይኾኑ። ወይ ድማ ግዜ ኣዝዩ ክድለ እንከሎ ንዓመት ኣብ ክንዲ ብኪሎ ወርቂ ብኽልተ ኪሎ ወርቂ ክትገዝኣ ትግደድ። “ኣንታ በጃኻ፡ ቅድሚ

    ሰሙን እንድየ ካባኻ ኪሎ ወርቂ ሂበ ዓመት ገዚአ። እንታይ እዋን ዓመት ክልተ ኪሎ ወርቂ በጺሓ?” “ኣይፈለጥካን ዲኻ?” ይብል ናይ ግዜ

    ሸያጣይ። “ግዜ ኣይ ንብዓል ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝ እንድዩ ዝግዕዝ ዘሎ። ንሳቶም ንግዜ ከም ሕሱም ይሻመውሉ ኣለዉ። ሕጂ ኣብ ከተማ ግዜ ዝብሃል የለን።”ዳሕራይ እቶም ነጋዶ ድማ ክጎርሑ

    ጀሚሮም። ግዜ ንኻልኦት ኣብ ዝሸጡሉ ግዜ እቲ ናታቶም ግዜ ድማ ክውሕዶም ወይ ድማ ክቑርመም ጀሚሩ ከም ዘሎ ክፍለጦም ጀሚሩ። ነጋዶ ግዜ ድማ ገና ኣብ ሰዊት ዕድመኦም

    ክውሰዱ ጀሚሮም። “ኣታ እቲ እከለ እንድዩ ደኣ ኣብ ገዝኡ

    ሞይቱ ሓዲሩ።” እቲ ሰማዒ ስንብድ ኢሉ። “እዋእ? ሓቅኻ ዲኻ?” ነቲ መርድኢ

    ኣይኣመኖን። “ኣይ ትማሊዶ ዲርዲር ክብል ኣይረኣኽንዎን?”“ሓቅኻ” ኢሉ መሊሱ። “ትፈልጥ እንዲኻ

    ንነዊሕ ዓመታት ግዜ ይሸይጥ ከም ዝነበረ።”“እፈልጥ” እቲ ሰማዒ መሊሱ። “አረ

    ንዓይ’ውን ንዓማዊለይ ዝኸውን ክንደይ ዓመታት ገዚአሉ እንድየ። እሂሞ ምስ ግዜ ምሻጡ እንታይ ዘተሓሕዝ ኣለዎ ድዩ?”“ዓርከኒ?” ኢሉዎ መርድኢ። ምርዳእ

    ኣይሓምቕን እዩ። “ግዜ ክትሸይጥ እኮ ወይ ግዜ ክትሰርቕ ክትክእል ኣሎካ ወይ ድማ ካብ ናትካ ሕሳብ እኮ ኢኻ ክትሸይጥ!” ሰማዒ ሃንደበት ተረዲእዎ። ፈጥፈጥ ድማ

    ክብል ጀሚሩ። ክንደይ ዓመታት ዝሸጦ

    ዝነበረ ግዜ ካብ ህይወቱ ጎዲሉዎ ኣሎ ማለት እኮ እዩ። ክንደይ ኮን ኣብ ናይ ግዜ ሕሳቡ ኣእትዩሉ ነይሩ ይኸውን? ስለ ዘይፈለጠ ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ዓመታት ኣእትዩሉ ክኸውን ብውሽጡ ጸሎት ገበረ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነጋዳይ ዳሕራይ

    ኣዝዩ ጎራሕ’ዩ ዝኸውን። ኣብ መወዳእታ ድማ ዘይሕተት እዩ ዝሓትት። ከምዚ ናይ ፎስት ዓይነት ሕቶ ማለት እዩ። ፎስት ኣብ ኣውሮጳ ኣዝዩ ፍሉጥ ዛንታ እዩ።

    እዚ ዛንታ እዚ ድማ ናይ ሓደ ምስ ሰይጣን ውዕል ዝኣተወ ሰብኣይ ዛንታ እዩ ዘዘንቱ። ኣብዚ ዛንታ ምስ ሰይጣን ውዕል ዝኣቱ ሰብኣይ ሰይጣን ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ድሌቱ ክገብረሉ፡ እተን ዓመታት እቲአን ምስ ኣብቅዓ ግን ሰይጣን ነቲ ሰብኣይ ድላዩ ክገብሮ ዝፈቅድ ውዕል’ዩ ዝኣቱ። ብመሰረት እቲ ውዕል ድማ፡ ሰይጣን ነቲ ሰብኣይ፡ ፍልጠት፡ ክብሪ፡ ምቾትን ክህቦ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ምውዳእ እቲ ግዜ ንሰይጣን ስጋኡ፡ ንብረቱን ደሙን ድላዩ ክገብር ይፍቀደሉ። “ግዜ ክትገዝእ ደሊኻ?” ኢሉ ይሓትት

    ሸያጣይ። “ከይከብረካ ደኣ? ግዜ እንድየ ክህበካ። ንስኻኸ እንታይ ክትህበኒ ኢኻ?” “ንስኻ እንዲኻ ክትሸጠለይ ትደሊ ዘለኻ?

    ኣነ እቲ ዝደልዮ ክትሸጠለይ ሓተቲተካ ኣለኹ። ንስኻ ትደልዮ ድማ ሕተተኒ። እንተ ኣልዩኒ ንሰማማዕ፡ እህበካ ድማ። እንተ ዘይብለይ ግዜኻ ምሳኻ ኣሎ። ገንዘበይ ድማ ምሳይ ኣሎ። ዘባእስ ነገር የብልናን።” ግዜ ከም ናይ ሞባይል ሕሳብ ዝሓልፍ

    እንተ ዝኸውን ግዜ ዝሸይጥ ሰብ ይርከብዶ ይኸውን?

    በጃኻ ኣሕልፈለይ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 7

    ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ንዝተፈላለዩ ድራማታትን ተዋሰኦታትን ሜዳ እናደጋገመት ንስድራኣን ጎሮባብታን ተዘናግዕ’ኳ እንተነበረት፡ ዓባይ ተዋሳኢት ፊልም ክኸውን’የ ዝብል ሓሳብ ከም ዘይነበራ ግን ተዕልል። ዓመተ 2002 ግና ነዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ደረጃን መንገዲ ዝጸረገት ዓመት ምንባራ ስነ ጥበበኛ መረብ እስቲፋኖስ ትዝክር።መረብ፡ ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ ኣጋጣሚ

    ካብ ቤት ትምህርቲ ንገዝኣ እናተመልሰት እንከላ ምስ ስነ ጥበበኛን ጋዜጠኛን ካፕተይን ፍሰሃየ ለምለም(ወዲ ለምለም) ብወዝቢ ጎፍ ንጎፍ ተራኸበት። ወዲ ለምለም ድማ፡ ኣዳሊዩዋ ኣብ ዝነበረ ፊልም ንገጸ ባህርያቱ እትበቅዕ ጓለንስተይቲ ይደሊ ብምንባሩ ንመረብ ምስ ረኣየ ቁመንኣን ቁንጅነኣን ነታ ዝደልያ ዝነበረ ገጸ ባህሪ ብልክዕ ዝዉክል ኰይኑ’ዩ ረኺብዎ። ከይደንጐየ ድማ ድሌቱን ሓሳባቱን ብምክፋል ኣብታ ዘዳለዋ ፊልም ክትዋሳእ ትኽእል እንተዀይና ሓቲትዋ። መረብ ቅድሚኡ ተዋሲኣ ዘይትፈልጥ’ኳ እንተነበረት ንዝቐረበላ ዕድመ ግና ክትነጽጐ ኣይደለየትን። “እፍትኖ፡” ብምባል ድማ ንዝቐረበላ ሕቶ ብምቕሉል ኣገባብ መልሲ ሃበትሉ። ኣብ ፊልም “ፈርመለይ” ንመጀመርያ ግዜ ብምውሳእ ድማ ዕቑር ዓቕምን ክእለትን ከም ዘለዋ ንህዝቢን ንገዛእ ርእሳን ኣረጋጊጻ። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ኣብ ምዉሳእ ማዕረ ክንድኡ ብቕዓት ከም ዘለዋ ትፈልጥ ስለ ዘይነበረት። እዛ ዉርይቲ ተዋሳኢት ፊልም ኰይና ትርከብ ዘላ መረብ እስቲፋኖስ፡ ብድሕሪኡ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ዓመታት ናይ ፊልም ህይወታ፡ ዛጊት ዝወጹን ዘይወጹን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ሰማንያ ፊልምታት ተዋሲኣ ኣላ።መረብ ካብታ ክልተ ኣወዳትን ኣርባዕተ

    ኣዋልድ ዝፈረየት ስድራ ምዕባይ ሕንሳስ ልደ ኮይና፡ ብ1983 ካብ ተጋደልቲ ስድርኣ ኣቶ እስቲፋኖስ ድራርን ወ/ሮ ንግስቲ ወልደማርያምን ኣብ ዓራርብ ሳሕል’ያ ተወሊዳ። ኣብ ሓራ መሬት ምስ ከምኣ ህጻናትን መዛኖኣን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበየት መረብ፡ ህይወት ቤት ትምህርቲ ሰዉራ ኣዝያ ሕውስቲን ዘይትጋየሽን ክትከውን ከም ዝሓገዛ ትሕብር። ህይወት ቁልዕነታ ብዙሕ ከም እትናፍቖን እትዝክሮን ተዕልል መረብ፡ ናጽነት ምስ ተበሰረ 1991፡ ጓል ሽድሽተ ዓመት እንከላ፡ ናብ ኣስመራ መጸት። ትምህርታ ክትከታተል ናብ ቤት ትምህርቲ ዳህላክ ተላኢኻ ድማ ክሳዕ ሓምሻይ ክፍሊ ኣብኡ ተማህረት። ሻድሻይን ሻውዓይን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓድነት ብምቕጻል፡ ካብ ሻሙናይ ክሳዕ ዓሰርተዉ ሓደ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ባርካ ተኸታተለት።መረብ ኣብ ትምህርታ ኣዝያ ንፍዕቲ ከም

    ዝነበረት ሕሉፍ ሰነዳታ ይሕብር። ንሳ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሓሙሻይ ክፍሊ ቀዳማይቲ ተርታ፡ ካብ ሻሙናይ ክሳዕ ዓሰርተ ሓደ ድማ ምስቶም ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይና’ያ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ትምህርታ ዛዚማቶ። ትምህርታ ብኣቓልቦ ክትከታተልን ካብ ቁልዕነታ ኣትሒዛ ብዝለዓለ ደረጃ ክትምረቕን ብዙሕ ጻዕሪ እትገብር ዝነበረት መረብ፡ ማትሪክ ክትሓልፍ ትጽቢት’ኳ እንተነበራ እቲ ክዉንነት ግና ከም ዝሓሰበቶ ኣይኰነላን። ድሕር’ዚ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ንምዝዛም ኣብ 20 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ወሪዳ ግቡእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምፍጻም ኣብ ባህላዊ ጉዳያት ተመዲባ።መረብ ኣብ ናይ ትምህርቲ ህይወታ፡ ኣብ

    ኣካዳሚ ጥራይ ኣይኮነትን ብልጽቲ ነይራ። ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ጀሚራ ኣብ ስፖርት ብፍላይ ድማ ኣብ ኩዕሶ መርበብ ንቤት ትምህርታ ወኪላ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባውን ሃገራውን ውድድራት ተሳቲፋ፡ ቤት ትምህርታ ዓወት

    ነጃት ኣድም

    “ንስነ-ጥበብ ስለዘፍቅሮ’ምበር ስም ክረኽበሉ ኢለ ኣይኣተኹዎን”

    ዉርይቲ ተዋሳኢት ፊልም - መረብ እስቲፋኖስ

    ከተመዝግብ ልዑል ኣስተዋጽኦ ገይራ’ያ። ትምህርቲ ምስ ወደአት’ውን ክሳዕ 2003 ምስ ጋንታ ሃማደኤ ተጠርኒፋ ኩዕሶ መርበብ ተጻዊታ’ያ።ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ፡ መረብ

    ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ፊልም “ፈርመለይ” እያ ተዋሲኣ። ኣብ ቦኽሪ ስራሓ ጽቡቕ ናይ ምዉሳእ ብቕዓት ከተንጸባርቕ ብምኽኣላ ድማ ንሕቡእን ዕቑርን ዓቕማን ክእለታን ዘግሃደ ፍሉይ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ። እታ ፊልም ኣብ ኤሪ-ቲቪ ምስ ተፈነወት ድማ ብብቕዓታን ኣወሳስኣኣን ዝተመሰጡ ተዓዘብቲ ናእድኦምን ኣድናቖቶምን ገለጹላ። ደረስትን ዳይረክተራትን’ውን ንብቕዓት ምዉሳእ መረብ ክጥቀምሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን። መረብ ድማ በዚ ተተባቢዓ ንሞያ ምውሳእ ብምሉእ ዓቕማ ክትተሓሓዞ ተደረኸት። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ፡ ወራሲ ኪዳን፡ ቀታሊ ስሕበት፡ ፍቕሪ ተሳዒሩ፡ ፈቃር፡ ሻሎምን ግዜን ኣብ ዝብላ ፊልምታት ብዘይ ዕረፍቲ ተዋስአት።መረብ ዝበዝሕ ሓይላ ኣብ ናይ ፊልም

    ስረሓት ይኹን’ምበር ኣብ ናይ መድረኽ ድራማታትን ኮሜዲታትን’ውን ሰናፍ ኣይኰነትን። ኣብ በዓላትን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ድማ ኣብ መድረኽ ደይባ ሓያል ብቕዓታ ኣመስኪራን ተመስክርን ኣላን። ናይ ጎስጓስ ኣጋጣሚታትን ምውዕዋዓትን’ዉን ዳርጋ ብመረብ’ዩ ተዓብሊሉ እንተተባህለ ምግናን ኣይከዉንን።“ስነ-ጥበብ ጽባቐ’ዩ ኣንጸባሪቑ ዘርኢ”

    እትብል መረብ፡ ደቀንስትዮ ብተፈጥሮአን ጽቡቓትን ቀመም ህይወትን ስለ ዝኾና ሞያ ስነ-ጥበብን ደቀንስትዮን ከምዘይነጻጸሉ ትገልጽ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ “ስነ-ጥበብ ጓለንስተይቲ’ያ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን፡” ትብል። እቲ ሓቂ ከምዚ እንከሎ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ስነ-ጥበብ ምስ ኣተዋ ህይወተን ይበላሾ’ዩ ንዝበሃል ኣበሃህላ መረብ ክትምልሰሉ እንከላ፡ “ስነ-ጥበብ ፍቕሩ ሃሊዩካ’ምበር ሽም ክትረኽበሉ ኢልካ ክትኣትዎ የብልካን፡” ድሕሪ ምባል፡ ዝኾነ ሰብ ወዲ ይኹን ጓል ዕላማ እንተደኣሃሊዩዎን ካብ መንገዱ እንተዘይወጺኡን ዝኾነ ጸገም ከጋጥሞ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ነዚ ኣበሃህላ ከም ዘይትሰማማዓሉ ትሕብር። ብወገና ድማ ነተን ሓደስቲን ንኣሽቱን ተዋሳእቲ ከይሓምቓን ዝያዳ ኣብ ሞያአን ኣተኲረን ክሰርሓ ተሞኩሮኣ ከም ተካፍለንን ከም እተተባብዐንን ትሕብር።መረብ ኣብ መብዛሕትኡ ፊልምታት ከም

    ኣፍቃሪት ወይ ተፈቃሪት ኮይና’ኳ ትዋሳእ እንተኾነት፡ ኣብ ሓያለ ፊልምታት ግና ንዝተዋህባ ገጸ ባህሪ ተላቢሳ ክትዋሳእ ጸገም ከም ዘይብላ ስርሓታ ዝምስክሩላ’ዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድማ፡ ዛጊት ከም መርማሪት ፖሊስ፡ ዓይነ-ስውርቲ፡ ጓል ሃገረ-ሰብን ካልእን ኰይና ተዋሲኣ ኣላ። ደረስትን ዳይረክተራትን ንዝሃቡዋ ገጸ ባህሪ ምስ ዘይሰማማዓ ከም ዘይትቕበል እትገልጽ መረብ፡ ንብዙሓት ዘይማእምእዋ ገጸ ባህሪያት ክትሰርሖም ፍቓደኛ ከም ዘይኰነት ዝገለጸትሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ’ዩ። መረብ ኣብ ዘንጸባረቐቶም ስራሓት

    ንብሉጽነታ ዝምስክሩን ዝሕብሩን ዝተፈላለዩ ጽሩራትን ሽልማትን ተጐናጺፋ’ያ። ብብንያም ፍስሃጽዮን ዝተደርሰት ፊልም ትዕግስቲ፡ ብኰሚቴ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ዛጊት በዓልቲ ሰለስተ ጽሩራ ብምዃን ዝበለጸት ፊልም ተባሂላን ክሳዕ ኣብ ኣሜሪካ ከይዳ ሬሚ ኣዋርድ ዝተሸለመት ፊልም ምዃና ብምጥቃስ፡ “ጠሊመ ዲየ፡ ርግቢት ኖህን ኣባዲትን’ውን ብተመሳሳሊ ብሉጽ ነጥቢ ብምርካበን ምስ ብጾታ ዝበለጸት ተዋሳኢት

    ተባሂላ ከም ዝተረቑሓትለርን ትገልጽ። መረብ ካብ ኩለን ዝሰርሓተን ፊልምታት እታ ብዝያዳ እትፈትዋን እተድንቓን ፊልም ክትሕብር እንከላ፡ “ጠሊመ ድየ” ምዃና ትገልጽ።ብርግጽ ስነ-ጥበብ ይኹን ካልእ ሞያ

    ፍቕሩ እንተደኣ ሃሊዩካ ጥራይ’ዩ ክትዕወተሉ እትኽእል። ነቲ ዘለካ ሞያ ከተዕቢ ድማ ኣብ ቀጻሊ ሓርኮትኮትን ጻዕርን ክትጽመድ ይግባእ። መረብ ድማ “እዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ብሃውርን ብወዝብን ዝመጸ ኣይኮነን። ዝወጸት ፊልም ሆሊዉድ ትኹን ናይ ቦሊዉድ(ፊልምታት) ብምዕዛብ ከምኡ’ዉን ንሞያይ ዝምልከት መጻሕፍቲን ኢንተርነትን ብምንባብ ወትሩ ዓቕመይ ንምዕባይ ፍሉይ ጻዕሪ’የ ዘካይድ፡” ትብል።መረብ ብዘይካ’ዚ ንሞያኣ ዝሕግዝዋ

    ዝተፈላለዩ ትምህርቲን ስልጠናታት ክትወስድ ጸኒሓን ኣላን። ቅድሚ 2006 ንኽልተ ግዜ ብባህላዊ ጉዳያት ንዝተዋህበ ነናይ ሰለስተ ወርሒ ኮርስ ወሲዳ ነይራ። እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ድማ ካብ ጥሪ 2014-2015 ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ስማፕ ብዓዉዲ ትያትሪካል ኣርት ተማሂራ ጽባሕ ቀዳም ምስ ብጾታ ክትምርቕ ተዳልያ ኣላ።መረብ፡ ዝተማህረቶ ትምህርቲ ኣብ ስነ-

    ጥበብ ህይወታ ኣዝዩ ብሉጽን ሓጋዝን ትምህርቲ ምንባሩ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ንውልቃን ብሓፈሻ ድማ ንስነ-ጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣስተዋጸኦ ክገብር ምዃኑ ብርእሰ ተኣማንነት ትገልጽ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንኹሎም መማህርታን ተመረቕቲ ቤት ትምህርቲ ስማፕ እንቋዕ ኣሓጐሰና ብምባል ንቤት ትምህርቲ ስማፕ ብፍላይ ዮሃና ትብል።ኣብ መጻኢ መረብ፡ በቲ ሒዛቶ ዘላ

    ሞያ፡ ነቲ ዝተማህረቶ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብሉጽ ስረሓት ከተፍርን ዓቕማ ኣብ ምውሳእ ጥራይ ከይተደረተ ኣብ

    ድርሰትን ምእላይን’ውን ጸቒጣ ክትሰርሕ ምዃና ትሕብር። ድሮ’ውን ሓንቲ ናይ ፊልም ስክሪፕት ኣዳልያ ከም ዘላ ብምሕባር፡ ኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ስማፕ ብዝቐሰመቶ ትምህርቲ ተሓጊዛ ባዕላ ክትኣልያ

    ተዳልያ ምህላዋ ትገልጽ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ጎኒ ጎኒ ሞያኣ’ዉን ማሕበራዊ ህይወታ ከይረሰዐት ሓዳር ገይራ ውላድ ክትሓቊፍ ከም መደብ ሒዛቶ ከም ዘላ’ዉን ከይጠቐሰት ኣይትሓልፍን። ስነ ጥበበኛ መረብ እስቲፋኖስ ብዛዕባ

    ፊልምታት ሃገርና ክትገልጽ እንከላ፡ “ኣብ ዓዉደ ፊልም ዝነጥፉ ሰባት ዝከኣሎም ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ዉሑድ ዘይኰነ ንህዝቢ ዝምስጥ ፊልምታት’ዉን ኣሎ፡’’ ድሕሪ ምባል ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገማት ብዙሓት ክኢላታት ፊልም ካብ ዓዉዲ ፊልም ይእለዩ ስለ ዘለዉ ፊልምታትና ክደክም ባህሪያዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ፊልምን ተዋሳእትን ኣተኩሮ ክገብር ትምሕጸን።ስነ ጥበበኛ መረብ እስቲፋኖስ ኣብ

    መጠረሽታ ንወለዳ ኣቶ እስቲፋኖስ ድራርን ወላዲታ ንግስቲ ወልደማርያምን ንስለ’ቲ ዝገበሩላ ኩለንትናዊ ምትብባዕን ሕብሓበን፡ ንኹሎም ኣሕዋታ፡ ፈተውታን መሓዙታን፡ ንመሳርሕታን ንኹሎም ስነ-ጥበበበኛታትን ከምኡ’ዉን ንኽትመሃር ባይታ ንዝፈጠሩላን ወጻኢታታ ዝሸፈኑ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ንዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ስማፕ ዶክተር ተስፋይ ሃይለን መም/ ዮሴፍ ገብረዮዉሃንስን ልባዊ ምስጋናኣ ትገልጽ። ኣብ ትያትሪካል ኣርት መማህርታ ንዝነበሩ ስነ ጥበበኛታት ብምሉኦም ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት ክዀነሎም ብምምናይ፡ ንደጋፊኣ ህዝብ ሳላ ርእይቶኹምን ደገፍኩምን’የ ኣብዚ ደረጃ በጺሐ’ሞ የቐንየለይ ብምባል ብሓፈሻ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ክኾነሉ ትምነ።ዓምዲ ደቀንስትዮ’ዉን በዚ ኣጋጣሚ

    ዓመተ 2016 ንስነጥበበኛ መረብ እስቲፋኖስ ዓመተ ሓጐስን ዓወትን ክትኰነላን ትምኒታ ክትፍጽመላን እናተመነየት፡ ዓመተ 2016 ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓጐስን ብልጽግናን ዓመት ክትኰነሉ ትምነ።

    ስነ ጥበበኛ መረብ እስቲፋኖስ - ተመራቒት ዓዉዲ ትያትሪካል ኣርት 2015

    “ እቲ ጓለንስተይቲ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ክትኮኖ ዝግባኣ፡ ከምቲ እትደልዮን ከም ገዛእ ርእሳን ምዃን’ዩ”

    ― Coco Chanel “እንሓንሳእ ክንፍጽሞ ከምዘይንኽእል ምፍላጥ’ዩ፡ ዝያዳ ንኽንፍጽሞ ዝደፋፍኣና”

    ― Ally Carter“እቲ ዘሕዝን ነገር ጓለንስተይቲ ክትፍጽሞ እትኽእል፡ ንህይወት ካልእ ሰብ ከተዕሪ

    ክትብል ንህይወታ ከተዕኑ እንከላ’ዩ”― Emma Watson

    “ካብ ምልክዕትን ዘይረብሕን ዝኸውን፡ ዘይምልክዕትን ሓያል በዓልቲ ክብርን ክኸውን’የ ዝመርጽ”

    ― Lilith Saintcrow“ዝኾነት ጓለንስተይቲ ክልተ ነገራት ክትከውን ኣለዋ፡ ምዕርግትን ትንግርታዊትን”

    ― Coco Chanel

    ጥቕስታት ደቀንስትዮ

    “ንስሓ”ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ሓሪሳ ናብ ሆስፒታል ይኸይድ። እንቋዕ

    ብሰላም ተገላገልኪ ኢሉ ንሰበይቱ ድሕሪ ምስዓም ድማ ወዱ ከተርእዮ ሓተታ። ካብቲ ዓራት ሓፍ ኣቢላ ድማ ኣቐበለቶ። ሰብኣይ ብመልክዕ ማማይ ወዱ ክኣምን ኣይከኣለን።“ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ረኣየን’ሞ ነዘን ጽቡቓት ደቅና ሻሽ ይመስላ።

    እዚ ከመይ ገይሩ ሓወን ይኸውን። ብድሕረይ ትሰርቂ ምንባርኪ ክትናስሒ ኣለኪ፡” ኢሉ ኣጉባዕበዓላ።“እወ ሓቅኻ ክናሳሕ ኣለኒ። ሓቂ’ዩ ብድሕሬኻ እሰርቕ ነይረ እየ። ኣብዚ ቈልዕ ዘይኮነ

    ግን ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ደቅና እየ፡” በለቶ።

    ንፍሽኽታ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 8

    ርሞሸሽ ዕኮት ጃፓን

    ኣማኑኤል ገብረሂወት (ፕሪንስ)

    እዚ ሓሸራ’ዚ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገዘፍቲ ዓሌት ዕኮት ኣብ ዓለምና እዩ። ሓደ እኹል ዕኮት ክሳብ 4.5 ሰ.ሜ ክበጽሕ ከሎ መንገብገቡ ድማ ካሳብ 6 ሰ.ሜ ይበጽሕ። እዚ ዕኮት እዚ ኣብ ርእሲ’ቲ ውሁብ ተፎጥራዊ ክልተ ኣዒንቱ ተወሰኽቲ ሰለስተ ናኣሽቱ ኣዒንቲ ኣለዎ።

    እቶም ሰራሕተኛታት ዕኮት ነቶም ዘይንቑሑ ኣሕዋቶም መግቢ ኣብ ምምእራር እዮም ዝጽመዱ። መግቦም ኣብ ዝእክብሉ እዋን ኣብ ስፍሕ ዝበለ ቦታ ብምዝርጋሕ ዝኮነ ዓይነት ሓሰኻ እዮም ዝምገቡ - ነቶም ባልዕ ኣትክልቲ ዝኾኑ ሓሰኻታት ከይተረፈ። ስበዚ መኽኒያት እዚ ዕኮት’ዚ

    ብህዝቢ ጃፓን ከም ዉጺኢታዊ እዩ ዝሕሰብ። ብቲ ሓደ ወገን ግን ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ሓረስቶት፡ እዚ ዓሌት ዕኮት’ዚ ኣብ ምፍራይ ኣናህብ ጸገም ከም ዝኾኖም እዮም ዝዛረቡ። ምኽንያቱ ሓደ ካብዞም ዕኮት በይኑ ልዕሊ 40 ንህቢ ክቐተል ስለዝኽእል። ኣስታት 30 ዝኾኑ ጉጅለ ዕኮት ልዕሊ

    30.000 ኣናህብ ዝርከብዋ ጎጆ ንህቢ ከዕንዉ ይኽእሉ። እዚ ዕኮት’ዚ ምስ ዝትንከፍ

    ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ላባራቶሪ ጃፓን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣናጹ ከይተረፈ ክቐትል ዝኸኣለ እዩ። 6.25 ሚ.ሜ ብዝቑመቱ ተወርዋሪ ዘንጊ ኣቢሉ ሓያል ዝኾነ መርዚ ብምልኣኽ ንጽላእቱ ከጥቅዕ ይኽእል። ብዛዕባ መርዛምነቱ ኣብ ጃፓን ዝወሃቡ ምኽርታት ኣለዉ። ሓደ ካብ 10 ግዜ ንላዕሊ ዝተነኽሰ ሰብ መርመራ ክገብር ኣለዎ ዝብል። ካብ 30 ክሳብ 40 ሰባት ድማ ዓመታዊ ኣብ ጃፓን ብመንከስቲ ናይዚ ዕኮትዚ ይሞቱ። 1. እቶም ዝፈለጡ

    ይገብሩ፡ እቶም ዝተረድኦም ይምህሩ።

    ኣሪስቶትል

    2. ምስጢር ዓወት ኣብ ሂወትሲ ሓደ ሰብ ዕድል ክሳብ እትመጾ ድልው እንተኾነ’ዩ።

    በንጃሚን ፍራንክሊን

    3. ዓርኪ ኣብ ምምራጽ ዝሑል ኩን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ እትቕይረሉ እዋን።

    በንጃሚን ፍራንክሊን

    ካብ ልሳን ለባማት

    ጆሰፍ መሪክ ( ዘ ኤለፋንት ማን)ጆሰፍ ኬሪ መሪክ ብ5 ነሓሰ 1862

    ኣብ ከተማ ለዘስተር ዝተወልደ እንግሊዛዊ እዩ። ጆሰፍ ምስ ተወልደ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ናይ ሂወቱ ናብ ዘይልሙድን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነን ቅርጺ ኣፈጣጥራ ክልወጥ’ዩ ዝተራእየ። ኮይኑ ድማ ፈለማ ቆርበቱ ረጉድን ኩምራን ኮነ። ቀጺሉ ኣዝዩ ገዚፍ ከናፍር ክምኡ’ዉን ሕበጥ ኣብ ግንባሩ ወጾ። ኣብ ርእሲ እዚ ሓደ ኢዱን ከልተ ኣእጋሩን ካብ መጠን ንላዕሊ ገዘፉ። ሓደ እዋን ድማ ወደቐ እሞ ነባሪ ዝኾነ

    ጆሰፍ መሪክ ( ዘ ኤለፋንት ማን)ስንክልና ምሕኹልቲ ኣጋጠሞ። ንሱ ናብ ህዝቢ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዘ ኤለፋንት ማን ዝበል መጸዉዒ ተዋህቦ። እዚ ማለት ድማ ምስሊ ሓርማዝ ዘለዎ ሰብ እዩ። ጆሰፍ እቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ

    ምልዉዋጥ ኣካላት ጠንቁ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ጆሰፍ ወዲ 11 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዲኡ ስለ ዝሞተት ኣቦኡ ካልእ ሰብይቲ ተመርዓወ። ካብ ኣቦኡን ስይቲ ኣቦኡን ተነጽሎ ስለዝገጠሞ ወዲ 13 ዓመት መስ ኮነ ትምህርቲ ኣቋረጸ። ወዲ 17 ምስ ኮነ ኣብ ከተማ ለዘስተር ኣብ ዝርከብ ሓደ ፋብሪካ ስራሕ ጀመረ። ኮይኑ ግን ክኽእሎ

    ኣይከኣለን። ድሕሪ ብዙሕ ስቓይን ቃልስን ድማ ጆሰፍ 27 ዓመት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ 11ሚያዝያ 1890 ብሞት ካብ ዓለም ዝተፈለየ። ጠንቂ ሞቱ ብሕጽረት ኦክሲጅን ዚመጽእ ሞዕባስ ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ድሕሪ ሞት ጆሰፍ፣ ትራቨስ ዝተባህለ ዶክተር ኣካላቱ ከፊቱ ረኣዮ። “ጆሰፍ ብሰንኪ ክብደት ርእሱ ኮፍ ኢሉ እዩ ዝሓድር ዝነብረ’ሞ፡ ጠንቂ ሞቱ ምናልባት ከም ናይ ካልኦት ሰባት ገይሩ ክድቅስ ስለዝፈተነ እዩ ክኽዉን ዝኽእል” ከብል ድማ ተዛረበ።

    ካርል ቮን ሳዉርብሮን ድሬያስ ብ29 ሚያዝያ 1785 ካብ ስድራቤት ዊልሄም ድሬያስ ኣብ ከተማ በደን ጀርመን ዝተወልደ መሃዚ እዩ። ድሬያስ ነታ ኣብ ዓለም ምቕልልቲ ኣገልጋሊት ድቂ-ሰብ ክትከዉን ኪኢላ ዘላ ብሽክለታ ዝመሃዘ እዩ። እታ ብሽክለታ ኣብቲ ሽዑ እዋን ከልተ ፐዳለ፡ ማለት መዘወሪ ኣካላታ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጎማ ዝተገጥመ እዩ ዝነበረ። ቀስ ብቐስ ድማ ናብ’ዘን ሕጂ እንርእየን ዘለና ብሽክለታታትን ሞተር ሳይክልን ሒዘንኦ ዘለዋ መልክዕ ክምዕበል ከኣለ። ኤውሮጳ ኣብ 1812-1815 ብትሑት እቶት ምህርቲ ትሳቕ እያ ዝነበረት። ኣብ 1816 ድማ ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝርከብ እምባ ታምቦራ ነቶገ’ሞ ንመላእ ዓለም ጸለዋ። ኤውሮጳ ከኣ ክረምቲ ምሉእ በረድ ዘነባ። ድሬያስ እምበኣር ከም መፍትሒ ጽገማትን መተካእታ ናይ’ቶም ከም መጓዓዝያ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣፍራስን ከምኡ’ዉን ነቲ ዝነበረ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ኢሉ ዝያዳ ኣብ ሓድሽ ምህዞ ኣቶኮረ። ኣብ 1817 ድማ ነታ ላዉፍማሺን ኢሉ ዝሰመያ ምህዞ መሃዘ።

    **************

    4. እቲ ክትዘናጋዕ ዘሕለፍካዮ ግዜስ ፈጺሙ ኣይጠፍእ።’

    ብራትራንድ ራስል

    5. እቲ እትሓስቦ ኢኻ እትኾኖ ዘለኻ።

    መሓመድ ዓሊ

    6. ለባማት ሰባት፡ ክብልዎ ዝደለዩ ነገር ስለዘሎ ይዛረቡ፡ ዓያሹ ድማ ክዛረቡ ስለዘለዎም ይዛረቡ። ፕላቶ

    7. ኣብ ሓደ ነገር ጠጠዉ እንተዘይበልካ ንዝኾነ ነገር

    ትወድቀሉ ኢኻ። ማልኮልም ኤክስ

    8. ፍርሒ ኣብ ርእስኻ እምበር ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይትርከብን እያ።

    ዳለ ካሪጅ

    9. ኩሉ ግዜ እትገብሮ አንተ ገበርካ ኩሉ ግዜ እትረኽቦ ኢኻ እትረክብ።

    ኣንቶኒ ሮቢንስ10. ጉዕዞ 1000 ኪሜ

    ብሓንቲ ሱግሚ እያ እትፍል። ላዮ ተዙ

  • ሓዳስ ኤርትራ 25 ታሕሳስ 2015 - ገጽ 9

    ስ ለም

    ረ ሃስ

    ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ስልጠና ኣሰጠንቲ ግራስ ሩት ወዲቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ኢንስትራክተር ፊፋ ኡልሪኽ ማቲው ካብ ሃገረ ሲሸልስ ድማ፡ ነቲ ስልጠና ዝሃበ እዩ። ነቲ መደብ ዝምልከት ምስኡ ዘካየድናዮ ቃለ መሕትት ነቕርበልኩም።ፈለማ ኢንስትራክተር ኡልሪኽ ዕላማ

    መምጽኢኡ ክገልጽ ከሎ፡ “ዕላማ እዚ መደብ፡ ነቲ ኣብ ኣዋርሕ ሰነን ሕዳርን 2011 ዝጀመረ፡ መደብ ግራስ ሩት ቈልዑ ኤርትራ፡ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብምድህሳስን ንምምዕባሉ ኣበርክቶ ንምግባርን’ዩ። ከምኡ ድማ ስልጠና ኣሰልጠንቲ መምህራን ግራስ ሩት ምሃብ’ዩ” ኢሉ። ኡልሪኽ ንኣሰልጠንቲ ኣመልኪቱ ድማ፡

    “እዞም ስልጠና ኣሰልጠንቲ ዝወሰዱ፡ ንፈለማ ግዜኦም ብዛዕባ ግራስ ሩት ዝምኮሩ ዘለዉ እዮም። እዚ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ግራስ ሩት ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ኣብ’ዘን ዝጸናሕናለን መዓልታት ድማ ኣበርቲዕና ክንስርሕ ፈቲንና ኢና። ጽቡቕ ኣምር ሒዞም ኣለዉ ድማ እብል፡” ይብል።ግራስ ሩት እንታይ ማለት ምዃኑ ከብርህ

    እንከሎ፡ “እዚ መደብ፡ ቈልዑ እናተዘናግዑ ኩዕሶ ናይ ምጽዋት ድልየታቶም ዘዕብይሉ ኣጋጣሚ ዝፈጥር’ዩ። እቶም ቈልዑ ከም ድላዮም እናተጻወቱ ንዘለዎም ዕቑር ዓቕሚ እተለልየሉ መድረኽ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ኪኢላታት ምስ ኣለለኻ ናብ ስልጠና ትኣቱ።” ኡልሪኽ ማቲዉ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ

    ንግራስ ሩት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኣመልኪቱ ድማ፡ “ብመስረት ሓበሬታ ቴክኒካል ዳይረክተር ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዳኒኤል ዮሃንስ፡ ኣብ ዘለዋኹም ሽዱሽተ ዞባታት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ልምምድን ትምህርታዊ ስልጠናን ዝገብሩ፡ ዘተስፉ መደባት ግራስ ሩት ከም ዘሎ ተገንዚበ ኣለኹ። ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተተ ዓመታት ተታሒዙ ዘሎ መደብ’ዉን ተዓዚበ፡” ኢሉ። ኢንስትራክተር ኡልሪኽ ተሓታትነት ግራስ

    ሩት ብዓይኒ ፊፋ ክገልጽ ከሎ፡“ፊፋ ንነፍሲ ወከፍ ፈደረሽን ናይ ሓንቲ ኣባል ሃገር እዩ ዝፈልጥ፡”ኢሉ። ንሱ ቀጺሉ፡ “እቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ምስ ዝተፈላለያ መንግስታውያን ይኹና ብሕታውያን ትካላት ክሻረኽ ይኽእል። ኣብ ስልጠና ግራስሩት ቈልዑ፡ ንኣበርክቶን ተራን እተን ትካላትን ክህሉ ንዝኽእል ምትሕግጋዝን ብዝምልከት፡ መዘክር ተፈራሪሙ ናይ ነፍሲ ወከፉ ግደ ብንጹር ይሕዝ፡” ዝበለ ኡልሪኽ “ብድሕሪ’ዚ፡ መደብ ክትግበር ከም ዝኽእል ምስ ኣረጋገጸ፡ ጸብጻቡ ናብ ፊፋ የቕርብ፡” ኢሉ። ኡልሪኽ ኣስዒቡ፡ “ፊፋ ድማ ነቲ ዝቐርበሉ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣሰልጠንቲ ድዩ ካልእ ዘድሊ ነገራት ከማልእ ይኽእል። ስለዚ፡ ሓላፍነት መደብ ግራስ ሩት ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ናይ ሃገራዊ ፈደረሽን እዩ፡” ይብል። ኡልሪኽ ንትዕዝብቱ ኣብ ግራስ ሩት ቈልዑ

    ኤርትራ ብዝምልከት፡ “መደብ ስልጠና ግራስ ሩት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ክርእዮ ከለኹ ዘተስፉ እዩ።” ኣስዒቡ ከኣ፡ “እዚ ከም ዘለዎ ከሎ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤትርትራ፡ ነዚ መደብ ዝምልከት ዘለዎ ቅርጺ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ከዕብዮ ኣለዎ። እቶም ቈልዑ ኣብ ሰሙን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ግዜ ልምምዳት ዘካይዱሉ መደብ ከተኣታቱ ይግባኦ። ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ኣሰልጠንቲ ከም ዝህልዉ ክገብር፣ ቀጻልነት እዚ

    መደብ ንምውሓስ ቤት ትምህርቲ ኩዕሶ እግሪ ክኸፍት፣ እቶም ቈልዑ ልዕሊ 12 ዓመት ምስ ኰኑ ብዝለዓለ ደረጃ ስልጠና ዝቕጽልሉ መንገዲ ከተኣታቱ ኣለዎ፡” ብምባል ርእይቶኡ ኣካፊሉ።ኢንስትራክተር ኡልሪኽ ኣብ መወዳእታ

    ብዛዕባ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። “ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ

    ሲሸልስ ዓቢ ኣበርክቶ’ዩ ገይሩ። ንሱ፡ ዳኛ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ሃገረይ (ሲሽልስ) ብሉጻት ደያኑ ኣፍርዩ እዩ። ናይ ቀረባ ኣብነት ክኾነና፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቡብ ኣፍሪቃ 2010፡ ተደጋጋሚ ጸወታታት ዝመርሐ ማእከላይ ዳኛ ኤዲ ማየ ምጥቃስ ይከኣል። ኣቶ ተስፋይ ስለ’ቲ ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሲሽልስ ዝለኣኸሉ ናይ መዘከርታ ኣርማ ከረክቦ እንከለኹ ሓበን ተሰሚዑኒ’ዩ፡” ብምባል ሓፈሻዊ ርእይቶኡ ዛዚሙ።

    “ሓላፍነት መደብ ግራስ ሩት ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ሃገራዊ

    ኡልሪኽ ማቲው

    ኢንስትራክተር ካፍ ኡልሪኽ ማቲው ኣብ ስታድዩም ኣስመራ

    ግጥማት ‘ቦክሲን ደይ’ ፕሪመር ሊግ፡ ጽባሕ ቀዳም ክካየድ እዩ። ውድድር ፕሪመር ሊግ 2015/16 ዛጊት ሸውዓተ ግዜ ምግልባጥ መሪሕነት ክለባት ተራእይዎ’ሎ። ብተወሳኺ እዚ ቅንያት ጽዑቕ ግጥማት ‘ቦክሲን ደይን’ ሓድሽ ዓመትን ዝካየደሉ ብምዃኑ፡ ኣቓልቦ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ስሒቡ ይርከብ። ብዘይካ’ዚ እተን ክለባት፡ ናይ ቀዳማይ ዙርያ ውድድረን ዛዚመን ናይ ካልኣይ ዙርያ ጸወታታት ዝጅምራሉ ግዜ’ውን እዩ። መደባት ናይ’ዚ ቅንያት ጸወታ፡

    ከለባት ሓንቲ መዓልቲ እናዕረፋ ዘካይደኦ ግጥማት’ዩ። በዚ መሰረት እቲ ጸወታታት ቀዳም 26 ታሕሳስ፡ ሰኑይ 28 ታሕሳስ፡ ሰሉስ 29 ታሕሳስ ከምኡ ድማ ረቡዕ 30 ታሕሳስ ክካየድ እዩ።

    ጽባሕ ቀዳም

    ስቶክ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናትይድ ሰዓት 3፡45

    ኣስቶን ቪላ ኣንጻር ዌስትሃም 6፡00

    ቸልሲ ኣንጻር ዋትፎርድ 6፡00

    ሊቨርፑል ኣንጻር ሌሰስተር 6፡00

    ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ሳንደርላንድ 6፡00

    ቶተንሃም ኣንጻር ኖርዊች 6፡00

    ስዋንስ ሲቲ ኣንጻር ዌስትብሮም 6፡00

    በርንማውዝ ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ 6፡00

    ኒውካስትል ኣንጻር አቨርቶን 8፡30

    ሳውዝሃምተን ኣንጻር ኣርሰናል 10፡45

    ሰኑይ 28 ታሕሳስ

    አቨርቶን ኣንጻር ስቶክ ሰዓት 6፡00ዌስትብሮም ኣንጻር ኒውካስትል

    6፡00ኖርዊች ኣንጻር ኣስቶን ቪላ 6፡00ዋትፎርድ ኣንጻር ቶተንሃም 6፡00ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ስዋንሲ

    8፡30ኣርሰናል ኣንጻር በርንማውዝ 8፡30ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ቸልሲ

    8፡30ዌስትሃም ኣንጻር ሳውዝሃምተን

    8፡30

    ሰሉስ 29 ታሕሳስ

    ለስስተር ሲቲ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ሰዓት 10፡45

    ረቡዕ 30 ታሕሳስ

    ሳንደርላንድ ኣንጻር ሊቨርፑል ሰዓት 10፡45