12
መበል 26 ዓመት ቁ.3 ቀዳም3 መስከረም 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 8 ገጽ 7 ኮሎምቢያ - ንፍርቂ ዘመን ዝዛረየ ደም ... ኣምር ምስራሕ ፎርማጆ/... ድሃይ ‘ባባ’ እባ ….?! ስለምንታይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ-ተባዕትዮ... ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ፕሮጀክትታት ኩባንያ ህንጻ ሰገን ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ (ወዲ ተስፋዝጊ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 02 መስከረም ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1973 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ። ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ በዓል ሓዳርን ኣቦ 12 ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ፡ ጽባሕ ሰንበት 04 መስከረም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ። ኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ ተሰዊኡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2016 ዘቕረቦ ትሕዝቶታት ንምግምጋም፡ ብ30 ነሓሰ ኣብ ቤት- ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ’ቲ ዞባ ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ ኣኼባ ኣካዪዱ። ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ብልጫታትን ድኽመታትን ትሕዝቶታት ብግቡእ ተለልዩ፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ውዳቤ ንምድላው ዘተን ክትዕን ተኻይዱሉ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዝቐረበ ባህላዊ መደባትን መሰናድኦታትን ብዝሓየለ ክስረሓሉ ከምዝግባእ ድማ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ሓላፊት ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር፡ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ፈስቲቫል ዝነበሩ ትሕዝቶታት ብመንእሰያት ዝቐረቡ ምንባሮም፡ ኣብ ምርግጋጽ ባህላዊ ውርሻታትና ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ክድፋኣሉ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። ጠርናፊ ጉጅለታት ባህላዊ ትልሂት ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ፍሰሃየ ደበሳይ ብወገኑ፡ ኣብ ዘለዉና ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ መጽናዕቲ ብምክያድ ወሰኽ ክግበርን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ሃብታም ባህላዊ ጸጋታትና ንምምዝማዝ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጻዕርታት ክካየድን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። ተሳተፍቲድማ፡ባህላዊውርሻታትና ብግቡእ ተሰኒዱ፡ ኣብ ልምዓታውን ታሪኻውን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ብመልክዕ ኤግዚቢሽን ክንጸባረቕ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ ዓድታት ታሕታይ ዓዲ-ዛርናን ክለውሊዕን፡ ብ31 ነሓሰ ዝሃረመ ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢራ። ቲ ዝናብ፡ ዚንጎታት ናይ 29 መንበሪ ኣባይቲ፡ 4 ክፍልታት መባእታ ቤት ትምህርቲ ክለውሊዕ፡ ከምኡ’ውን መስጊድ ተቐንጢጡ። ኣብ ትሕተ-ቅርጺ መስመር ኤለክትሪክ ናይ’ተን ዓድታት እውን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደን ኣብ ሂወት ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለን ተፈሊጡ። *** ዝናብ ኣብ ንብረት ዕንወት ኣውሪዱ ሕክምናዊ ንቕሓት ንምብራኽ ብዝግበር ዘሎ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ 90 ሚእታዊት ካብ ኣዴታት ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ - ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ሕክምና ይሓርሳ ከምዘለዋ ተገሊጹ። ሓላፊ ክሊኒክ ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ ነርስ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ክሊኒክ፡ ኣገልግሎት ቀዳማይ ረድኤት፡ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣገልግሎት ሕርሲ ከምኡ’ውን ጥዕናዊ ጎስጓሳት ኣብ ምሃብ ከምዝነጥፍ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኣፍልጦ እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ህዝቢ’ቲ ከባቢ ብዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ’ታ ክሊኒክ ንመጸበዩ ነፍሰ-ጾራት ዘገልግል ቦታ ከምእተዳለወ ዝሓበረ ነርስ ሳልሕ፡ ንነበርቲ እንድላልን ማሬትን እውን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምእትህብ ገሊጹ። ኣብ ክራማት ክብድ ንዝበሉ ሕማማት ንምሕካም ናብ ናቕፋ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብሰንኪ ብልሽት መገዲ ከምዝኸብዶም ብምግላጽ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ኣምቡላንስ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ መገዲ ክፍጠረሎም ተላብዩ። ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ፡ ካብ ናቕፋ ንሸነኽ ምዕራብ 32 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ነበርቲ ይቕመጥዋ። ባቕላ - ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ውጽኢት ይህብ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ብ19ን 20ን ነሓሰ ኣብ ከተማ ራይሳቫይክ፡ ብውዕውዕ መንፈስ ከም እተቓንዐ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ዜጋታት ዝተሳተፍዎን ፈስቲቫል፡ ህዝባዊ ሰሚናራት፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ህዝባዊ ጓይላ፡ ስእላዊ ምርኢትን ናይ ሆላንድ - ኤርትራውያን ሃገራዊ ፌስቲቫሎም ኣቃኒዖም ቈልዑ መደባትን ዘጠቓለለ ነይሩ። ሚኒስተር ዑስማን በቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ህልው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘተኰረ ሰፊሕ ሰሚናር ሂቡ። ሚኒስተር ዑስማን፡ ንኣባላት ህግደፍን ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት ኣብ ሆላንድን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እውን፡ ጥርናፈን ውዳበን ኣብ ምትራር ሓድነትን ምዕዋት መደባት መኸተን ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ ዕማም’ዚ ብሓፈሻ - ኣብ ምጥርናፍ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ጻዕርታቶም ከደንፍዑ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኣብ ሆላንድን ኣቶ ነጋሲ ካሳ ብወገኑ፡ ፈስቲቫል ኣብ ምስግጋር ክብርታትን ዕቃበ ባህልን መንነትን ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን በብወገኖም ዘካይድዎ ፈስቲቫላት፡ ኤርትራውያን ብባህሎምን መንነቶምን ክሳብ ክንደይ ሕቡናት ምዃኖም ከም ዘንጸባርቕ ኣረዲኡ። *** ናትናኤልን መርሃዊን ውዕሎም... ስ/ሙሴ ኪዳነ

ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

መበል 26 ዓመት ቁ.3 ቀዳም3 መስከረም 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 8ገጽ 7

ኮሎምቢያ - ንፍርቂ ዘመን

ዝዛረየ ደም ...

ኣምር ምስራሕ

ፎርማጆ/...ድሃይ

‘ባባ’

እባ

….?!

ስለምንታይ ደቂ-ኣንስትዮ

ዝያዳ ደቂ-ተባዕትዮ...

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ፕሮጀክትታት ኩባንያ ህንጻ ሰገን ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ (ወዲ ተስፋዝጊ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 02 መስከረም ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ተሰዊኡ።ኣብ ወርሒ ጥሪ 1973 ኣብ

መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ በዓል ሓዳርን ኣቦ 12 ደቂን’ዩ።ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ፡ ጽባሕ ሰንበት 04 መስከረም

ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።ኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ ዝተሰምዖ መሪር

ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ገዲም ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋዝጊ ተሰዊኡ

ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል 2016 ዘቕረቦ ትሕዝቶታት

ንምግምጋም፡ ብ30 ነሓሰ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ’ቲ ዞባ

ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ

ኣኼባ ኣካዪዱ።ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ብልጫታትን

ድኽመታትን ትሕዝቶታት ብግቡእ ተለልዩ፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ውዳቤ ንምድላው ዘተን ክትዕን ተኻይዱሉ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዝቐረበ ባህላዊ መደባትን መሰናድኦታትን ብዝሓየለ ክስረሓሉ ከምዝግባእ ድማ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ሓላፊት ክፍሊ ባህልን ስፖርትን

ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር፡ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ፈስቲቫል ዝነበሩ ትሕዝቶታት ብመንእሰያት ዝቐረቡ ምንባሮም፡ ኣብ ምርግጋጽ ባህላዊ ውርሻታትና ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ክድፋኣሉ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።

ጠርናፊ ጉጅለታት ባህላዊ ትልሂት ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ፍሰሃየ ደበሳይ ብወገኑ፡ ኣብ ዘለዉና ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ መጽናዕቲ ብምክያድ ወሰኽ ክግበርን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ሃብታም ባህላዊ ጸጋታትና ንምምዝማዝ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጻዕርታት ክካየድን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ። ተሳተፍቲ ድማ፡ ባህላዊ ውርሻታትና

ብግቡእ ተሰኒዱ፡ ኣብ ልምዓታውን ታሪኻውን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ብመልክዕ ኤግዚቢሽን ክንጸባረቕ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ ዓድታት ታሕታይ ዓዲ-ዛርናን ክለውሊዕን፡ ብ31 ነሓሰ ዝሃረመ ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዘውረደ፡ ወኪል ኤሪና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢራ።በቲ ዝናብ፡ ዚንጎታት ናይ 29

መንበሪ ኣባይቲ፡ 4 ክፍልታት

መባእታ ቤት ትምህርቲ ክለውሊዕ፡ ከምኡ’ውን መስጊድ ተቐንጢጡ። ኣብ ትሕተ-ቅርጺ መስመር ኤለክትሪክ ናይ’ተን ዓድታት እውን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደን ኣብ ሂወት ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለን ተፈሊጡ።

***

ዝናብ ኣብ ንብረት ዕንወት ኣውሪዱ

ሕክምናዊ ንቕሓት ንምብራኽ ብዝግበር ዘሎ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ 90 ሚእታዊት ካብ ኣዴታት ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ - ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ሕክምና ይሓርሳ ከምዘለዋ ተገሊጹ።ሓላፊ ክሊኒክ ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ

ነርስ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ክሊኒክ፡ ኣገልግሎት ቀዳማይ ረድኤት፡ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣገልግሎት ሕርሲ ከምኡ’ውን ጥዕናዊ ጎስጓሳት ኣብ ምሃብ ከምዝነጥፍ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኣፍልጦ እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ህዝቢ’ቲ ከባቢ ብዝወሰዶ ተበግሶ

ኣብ’ታ ክሊኒክ ንመጸበዩ ነፍሰ-ጾራት ዘገልግል ቦታ ከምእተዳለወ ዝሓበረ ነርስ ሳልሕ፡ ንነበርቲ እንድላልን ማሬትን እውን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምእትህብ ገሊጹ።ኣብ ክራማት ክብድ ንዝበሉ ሕማማት

ንምሕካም ናብ ናቕፋ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብሰንኪ ብልሽት መገዲ ከምዝኸብዶም ብምግላጽ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ኣምቡላንስ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ መገዲ ክፍጠረሎም ተላብዩ።ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ፡ ካብ ናቕፋ

ንሸነኽ ምዕራብ 32 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ነበርቲ ይቕመጥዋ።

ባቕላ - ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ውጽኢት ይህብ

ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ብ19ን 20ን ነሓሰ ኣብ ከተማ ራይሳቫይክ፡ ብውዕውዕ መንፈስ ከም እተቓንዐ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ዜጋታት ዝተሳተፍዎን ፈስቲቫል፡ ህዝባዊ ሰሚናራት፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ህዝባዊ ጓይላ፡ ስእላዊ ምርኢትን ናይ

ሆላንድ - ኤርትራውያን ሃገራዊ ፌስቲቫሎም ኣቃኒዖም

ቈልዑ መደባትን ዘጠቓለለ ነይሩ።ሚኒስተር ዑስማን በቲ ኣጋጣሚ፡

ኣብ ህልው ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘተኰረ ሰፊሕ ሰሚናር ሂቡ። ሚኒስተር ዑስማን፡ ንኣባላት

ህግደፍን ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት ኣብ ሆላንድን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እውን፡ ጥርናፈን ውዳበን ኣብ ምትራር ሓድነትን ምዕዋት መደባት መኸተን ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ ዕማም’ዚ ብሓፈሻ - ኣብ ምጥርናፍ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ጻዕርታቶም ከደንፍዑ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ

ሕብረትን ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኣብ ሆላንድን ኣቶ ነጋሲ ካሳ ብወገኑ፡ ፈስቲቫል ኣብ ምስግጋር ክብርታትን ዕቃበ ባህልን መንነትን ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን በብወገኖም ዘካይድዎ ፈስቲቫላት፡ ኤርትራውያን ብባህሎምን መንነቶምን ክሳብ ክንደይ ሕቡናት ምዃኖም ከም ዘንጸባርቕ ኣረዲኡ። ***

ናትናኤልን መርሃዊን

ውዕሎም...

ስ/ሙሴ ኪዳነ

Page 2: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 2መበል 26 ዓመት ቁ.3

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፋሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ሽዱሽቲአን ዞባታት ኤርትራ ከምእተኻየደን፡ ሎምዘበን ንመበል 20 ዓመቱ ከምእተሰላሰለን ሰነዳት ሚኒስትሪ ትምህርቲ የረድኡ።እዚ መደብ’ዚ፡ ከም ዝሓለፉ እዋናት፡ ኣብ ምስራሕ ቅናታዊ ዛላታት፡ ምዅዓት ንፈልሲ ገረብ ዝኾኑ ጎዳጉዲ፡ ምትካል ፈልሲ ኣግራብ፡ ኣብ ምዝላይ. . . ጥራይ ዘተኮረ ኣይነበረን። በዚ ወፍሪ’ዚ፡ ናው’ቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ተጸጊኖም፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲን ማሕበራትን ከም ምውጋን ንብረትን ምጽፋፍ ሰነዳትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ስራሓት ተኻይዶም። ኣብ ማእከል ከተማታት’ውን፡ ግርማን ጽሬትን ናይ’ተን ከተማታት ንምዕቃብ፡ ናይ ምግራብን ናይ ምጽራይን ተበግሶታት ተወሲዶም። በዚን ካልእን ድማ፡ ተማሃሮ ናይ ተማሃራይ ግቡኣት ፈጺሞም ክበሃል ይከኣል።ተመሃሮ ኣብ’ዚ መደብ’ዚ ምውፋሮም፡

ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን እውን ኣበርክቶ ኣለዎ። ተማሃሮ፡ ብክልሰ-ሓሳብ ዝቐሰምዎ ትምህርቲን ፍልጠትን፡ ብማእቶታዊ ንጥፈታት ኣብ ባይታ ብግብሪ ክርእይዎን ከካይድዎን ዝሕግዝ መስርሕ’ዩ። ናይ ስራሕ ተመኩሮን ተጸዋርነትን ኣብ ምጥራዪ’ውን ዓቢ ተራ ክጻወት ተኽእሎ ኣሎ። ብዓቢኡ ድማ፡ ተማሃሮ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ክሊማዊ ብድሆ ንምቅላሱ ከምዝዓጥቑን ከምዝዋስኡን ንምግባሮም ኣማራጺ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ዓለም ብዝርአ

ዘሎ ፍሉይ ክሊማዊ ለውጢ፡ እቶም ከም ልሙዳት ኰይኖም ክርኣዩ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ወቕትታት ይጽለዉ ከምዘለዉ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መደባተን ከጋውሕኦ ይስምዓ ኣለዋ። ዓለም

ከኣ ብድሆታት ክትብድህ ዝተፈላለዩ እዋናዊ መጽናዕትታት እናገበረት ኣብ ምግጣሙ ትርከብ። በዚ እዋናዊ ብድሆ፡ ኤርትራ’ውን ክትጽሎ ንቡር ተርእዮ’ዩ። ኰይኑ ድማ፡ እዚ ሃገራዊ ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት፡ ነዚ ብድሆ’ዚ ንምስጋር ተባሂሉ ዝተበገሰ መደብ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ከም መገዲ ሕውየት ናይ 30 ዓመታት ኣዕናዊ ኲናት፡ ሃገር ንምህናጽ ዝተተለመ መደብ ብምዃኑ እግረ መንገዱ ነቲ ዓለማዊ ብደሆ ይገጥሞ ኣሎ። ሃገር ብልምዓት ቀጠልያ ኣብ ምልባስ፡ እቶታውነት ኣብ ምዕባይ፡ እንስሳ ዘገዳም ናብ ንቡር ቦታኦም ኣብ ምምላስ፡ ብዝትከሉ ኣግራብ ክረምታዊ ዝናብ ኣብ ምውሓስ፡ ፍጡራት ንጹህ ኣየር ከም ዘስተንፍሱ ኣብ ምግባር፡ ለውጥታት ክሊማ ኣብ ምጉዳል ዘተኮረ ሃገራዊ መደብ’ዩ። እዚ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዕማም ዝኾነ

ወፍሪ’ዚ ዕላምኡ ንምውቃዕ፡ ገዚፍ ባጀት፡ ተሰሊዑሉ ኣብ መስርሕ ትግባረ ይርከብ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምምሕዳር ዞባታት፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ማይን ኣከባብን ድማ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም። ንውጽኢቱ ብዝምልከት፡ ዕቱብ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ዝሰሓት ኣይኮነን።ኣብ 2008 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበራ

ዓመታት፡ ብዝምልከተን ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳር ዞባታትን ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ስታስቲክስን፡ ብኣላይነት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓደ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ። መጽናዕቲን ገምጋምን ቅድመ-ትግባረ

ምክያድ፡ መደባት ብውሑድ ጌጋ ክስርሑ ዝሕግዝ’ዩ። ዝተወጠኑ ንጥፈታት ኣብ ግብሪ ምስ ወዓሉ’ውን፡ ንመጽናዕትን ገምጋምን ቦታ ምሃብ፡ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ድርኺት ዝፈጥር’ዩ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ብሉጽ ስርሓት ክድግፍ፡ ዝያዳ ክዓቢን

ነዳዲ ክውስኽን ዘተባብዕ’ዩ። ብመንጽሩ ድማ፡ ንዝተራእዩ ሕጽረታትን ጉድለታትን ብኸመይ ኣገባብ ክተሓዝ ከምዝግበኦ ኣብ ምምዕርራዩ መስትያት ይኸውን። ስለዝኾነ፡ ነቲ ካብ 1994 ኣትሒዙ ዝተኻየደ ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት - ኣብ ባይታ ንዝተራእዩ ንጥፈታት ብጭቡጥን ብዝዕቀን መገዲን ምጽንዑን ምግምግሙን ኣገዳሲን ናይ ግድንን ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ’ቶም ዝበዝሐ

ሓይሊ ሰብ ዝተሳተፈሎምን ገዚፍ ፊናንሲያዊ ወጻኢታት ዝተገብረሎምን መደባት ምግራብ፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣድሂቡ’ዩ ተሰሪሑ። ወፍሪ ዝተኻየደሎም ቦታታትን ዝበጽሕዎ ደረጃን ብክኢላዊ ዓቕሚ ንምግምጋም፡ ነበርቲ ዓዲን ተማሃሮን መማህራንን ካልኦት ዝምልከቶምን ኣብዚ መደብ ስራሕ ዘለዎም ኣጠማምታ ንምድህሳስ፡ ከምኡ’ውን ዝጸንሐ ኣወዳድባን ምሕደራን ብምግምጋም ንዝያዳ ኣድማዕነት ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምትታት ንምንጻር ዝዓለመ ድማ እዩ።መደብ ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት፡ ኣብ

ኩለን ዞባታት ሰፊሕ ዝርጋሐ ብዘለዎ ኣገባብ እኳ ዝካየድ እንተኾነ፡ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታታት ግን፡ ምስናይ ድሩትነት ግዜን ጸጋታትን ንዂሉ ክባጻሕ ዝከኣል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ብደረጃ ሃገር፡ ካብ ጠቕላላ 187 ነቑጣታት ናይ’ዚ ወፍሪ፡ ንኣርባዕተ ጉጅለታት (Sampling clusters) ኣብ ግምት ብምእታው 62 ነቑጣታት ንመጽናዕቲ ተመሪጸን። ነዘን ነቑጣታት ንምምራጽ ኣብ ግምት ዝኣተወ ረቛሒታት ድማ - ኣግሮ ኢኮሎጂካዊ ዞባ (Agro ecological zone); ራሕቂ ቦታ ስራሕ (Locality); ድግምጋም ወፍሪ (Frequency of campaign): ምሕደራ ኩነታት ሓለዋ ( Management intervention) ዘጠቓለለ እዩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ብዝምልከቶም ክኢላታት

ናይ’ዚ ሞያ ድሕሪ ምምስራሕ፡ ምስ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ብምርኻብ፡ ነቲ ዝተኣከብ ሓበሬታ ናይ መወዳእታ መልክዑ ናይ ምትሓዝ ስርሓት ተሰላሲሉ። መስርሕ ምእታውን ምምስራሕን ሓበሬታ (Data entry and processing) ድማ ተኻይዱሉ። እኹል ትንተናን ገምጋምን ምስ ተኻየደሉ ድማ፡ ብዓውደ ፍልጠትን ቀጸላ መጽናዕትን ተሰንዩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ተረኺቡ። ውጽኢት መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እምበኣር፡ ኣብ ብርሰት ኣግራብ ዝዓበየ ጸገም ኣሎ። ንሱ ከኣ ምስ ጉዳይ ሓለዋ ዝተኣሳሰር’ዩ። ኣብ ሓለዋ ዓቢ ሃጓፍ ከምዝነበረን ከምዘሎን ተነጺሩ። ስርሓት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ምዕጋት ድበት ናብ ዲጋታት ካብ ምእታውን ኣብ ምህብታም ትሕተ-ባይታዊ ማይን ዝሓሸ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ፡ እቲ ገምጋም ኣረዲኡ። እዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ግኡዝ ነገራት (hard ware) ዝነበሩ ውጽኢት’ዮም። ብኣንጻር እዚ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘስፈሮ መደምደምታን ለበዋን፡ ኣብ መንጎ ወፈርቲ ተማሃሮ ንልምዓት ኣብ ኣእምሮ (soft ware) ዝፈጠሮ ብልጫ ከምዝነበረ ዘርዚሩ። ንሳቶም ድማ - ኣብ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ሓድነትን፡ ኣብ ምትሕግጋዝን ምብህሃልን፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣብ ምዕቃብን ምኹስኳስን ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።

ምትካልን ምክንኻንን ይጠዓዓሙ!

ናብ 7ይ ገጽ ይቕጽል

ሰዓት መደብ9፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡55 ኣብዚ ሰሙን’ዚ13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ፓኖራማ14፡15 ተኸታታሊት ፊልም ቻይና E-32 14፡50 sport highlights15፡35 N/Geographic16፡35 መደብ ሙዚቃ17፡25 ደኩመንታሪ መደብ18፡10 ማእገር20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ህድግ21፡00 ዜና ትግርኛ 21፡25 ጩራ ጥዕና22፡00 ዜና ዓረብ 22፡10 ኢድኣት22፡30 ዜና እንግሊዝ 22፡40 FILM

ሎሚ ኣብ ERI-TV

ሰዓት መደብ

9፡00 ካርቱን

9፡28 ሄሎው ደባይዋ

11፡05 ሙ/ድራማ

11፡35 ፓኖራማ

12፡15 ዶክተራት ኣብ ስትድዮ ብቐጥታ13፡30 ብጋህዲ14፡00 ሞዛይክ ብቐጥታ16፡30 ኢድኣት16፡50 ኣብዚ’ሰሙን’ዚ17፡25 ማእገር ብቐጥታ18፡10 ህርመት 18፡55 ዜና ትግረ20፡10 ተኸታታሊት ፊልም ሻካት 2ይ ክፋል21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 ድባብ ብቐጥታ22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 ኣልመጀላ22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 FILM

ሰኑይ 05/9/2016

ሰዓት መደብ

09፡00 ካርቱን

09፡28 ምኽሪ ሞያውያን

10፡05 N/Geographic

11፡00 ዘተ ስፖርት

11፡45 ፓኖራማ

12:30 ዜና ትግርኛ

12:50 ጩራ ጥዕና

13:30 ዜና ዓረብ

13:40 ኢዳኣት

14:00 ናትራን ብቐጥታ

16:00 ዶክተራት

17:15 ተኸታታሊት ፊልም ቻይና E-31

18:05 ሙ/ድራማ

18:45 መደብ ሕላይ

20:00 ዜና ትግረ

20:10 ሽዕበት

21:00 ዜና ትግርኛ

21:20 ማህደር

22:00 ዜና ብዓረብ

22:10 ኣልመጀላ

22፡30 ዜና እንግሊዝ

22:40 FILM

ሰንበት 04/9/2016

Page 3: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 3መበል 26 ዓመት ቁ.3

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

ኣምር ምስራሕ ፎርማጆ/ጅብናኣብ ገዛን ፋብሪካን

ድሕረ-ባይታ

ምስራሕ ፎርማጆ መኣስ ከም እተጀመረ ዝገልጽ ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘየለ፣ 'ሰባት ጤለ-በጊዕ ከፋርዩ ምስ ጀመሩ ዝፈለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ' ዝብል እምነት ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ጨጐራ ናይ ንኣሽቱ ጤለ-በጊዕን ኣሓን ኣብ ዝተሰርሐ ሳንጣ ጸባ ክዕቅቡ ምስ ጀመሩ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መትሓዚ እተዓቀበ ጸባ፣ ንጽባሒቱ ናብ ተሪር ዝረግአ ነገርን ማይ ጨባን ክቕየር ከሎ ድማ ተዓዚቦም። ብድሕሪ'ዚ፣ ጸባ ኣርጊእካ ናብ ትርር ዝበለ ውጽኢት ብምቕያር፣ ብደረቕ መልክዕ ክዕቀብ ከም ዝከኣል ተገንዚቦም። እዚ ውጽኢት ጸባ ድማ'ዩ ጸኒሑ፣ 'ጅብና/ ፎርማጆ' ዝብል ስም እተዋህቦ። ክሳዕ'ቲ ግዜ'ቲ ግና ጸባ ንኽረግእን ንኽተርርን ዝገብሩ ነገራት ኣይተለለዩን ኔሮም።ምስራሕ ፎርማጆ ንዓሰርተታት ዓመታት

እናቐጸለ ኸሎ፣ ሓደ ውልቀ-ሰብ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ክፋላት ጨጐራ ናይ ላም፣ እቲ ሓቀኛ ጨጐራ ዝብሃል (Abomasum) ወይ 4ይ ክፋል ጨጐራ፣ ኣብ ምርጋእ ጸባ ኣገዳሲ ተራ ከም ዘሎዎ ከለሊ ክኢሉ። ሽዑ ሓቀኛ ጨጐራ ናይ ጡብ-ዘይገደፈት ምራኽ፣ ኣብ ምርጋእ ጸባ ንጡፍ ተራ ዝጻወት ምዃኑ እዩ ተለልዩ። ሰባት ነዚ ምስ ተረድኡ፣ ነዚ ዝተጠቕሰ ክፋል ጨጐራ ኣድቂቖም ብምቍርራጽ ኣንቂጾምን ጨው ነስኒሶምን ክዕቅብዎ ጀሚሮም። ነዞም ንኣሽቱ ቍርጽራጻት ናብ ጸባ ብምእታው ከኣ ቀዳማይ መስርሕ ንምድላው ፎርማጆ ኾይኑ። እዞም ቍርጽራጻት ከኣ ረነት (Rennet) ተባሂሎም። ረነት፣ ረነን (Rennen) ካብ ዝብል ቃል ጀርመን እተወስደ ኾይኑ፣ ትርጕሙ ድማ ምርጋእ ማለት እዩ። ክሳዕ ሕጂ ድማ እቶም ብያታዊ መገዲ ፎርማጆ ዘፍርዩ ሰባት፣ ጸባ ንምርጋእ ነዚ ኣገባብ ይጥቀሙ። ጨጐራ ናይ ላም ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ጨዋም ማይ/ ማይ ጨባ ብምእላኽ፣ ዝተጻረየ ፈሳሲ የዋህልሉ። ሓደ ግራም ናይዚ ፈሳሲ'ዚ ኸኣ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሊትሮ ጸባ የርግእ።

ፎርማጆ ብኸመይ ይዳሎ?

ቅኑዕ ኣገባብን ቅኑዓት ጥረ-ነገራትን ምስ እንጥቀም፣ ምድላው ፎርማጆ ከቢድ ኣይኰነን። ብመሰረት ምንጪ ጸባን ኣገባብ ክንክንን፣ ብልስላሰኦም፣ ዓይነቶምን መቐረቶምን ዝፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ፎርማጆ ምድላው ይክኣል እዩ።ብቕልል ዝበለ፣ ፎርማጆ/ ጅብና ኣብ ጸባ

ዝርከብ ኬዚን ዝተባህለ ፕሮቲን ብምርጋእ ዝዳሎ ተሪር ፍርያት ጸባ እዩ። ብዙሓት ዓይነታት ፎርማጆ እኳ እንተ'ሎዉ፣ ንዕኦም ንምስራሕ እንጥቀመሎም ጥረ-ነገራትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ግና ሓደ እዮም።ሓደ ኺሎ ግራም ፎርማጆ ንምስራሕ፣

ክሳዕ 10 ሊትሮ ጸባ የድሊ። በዚ መሰረት ኣገባብ ኣሰራርሓ ፎርማጆ ኣብ ገዛን ኣብ ፋብሪካን ክንርኢ ኢና።

ሀ. ምድላው ፎርማጆ ኣብ ገዛ

ደረጃ 1. መበገሲ ቡቕሊ (Starter Culture)

ፎርማጆ ንምድላው፣ ቀረብን ውልቃዊ ምርጫን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ጸባ ናይ ዝኾነት መጥበዊት እንስሳ ምጥቃም ይክኣል። ዝበዝሑ ሰባት ግና ትሑት መጠን ስብሒ ዘሎዎ ጸባ ላም ምጥቃም ይመርጹ። እቲ ቐዳማይ መስርሕ እምበኣር፣ ሓደ ኩባያ ጽሩይን ሓድሽን ጸባ ወሲድካ

ክሳዕ ዝረግእ ካብ 24-28 ሰዓታት ኣብ ሙቐት ገዛ ይዕቀብ።

ደረጃ 2. ምቕራብ ጸባ

ቀጺሉ ዝስዕብ፣ ኣብ ጸባ ዝርከብ ላክቶዝ እተባህለ ሽኮር ብሓገዝ ባክተርያ ናብ ላክቲክ ኣሲድ ዝቕየረሉ መስርሕ እዩ። ነዚ ንምርካብ 1 ጋሎን (3.78 ሊትሮ) ሓድሽ ጸባ ብምውሳድ፣ ተጓዳእቲ ታህዋስያን ንምቕታል ኣብ ህድእ ዝበለ ሙቐት ነፍልሖ። እቲ ኣቐዲሙ ዝረግአ ሓደ ኹባያ ቡቕሊ-ጸባ ናብዚ ዝፈልሐ ጸባ ብምውሳኽ ብግቡእ ከም ዝተሓዋወሱ ንገብር። ድሕሪኡ፣ ኣብ ትሑት ሙቐት (ካብ 15 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዘይሓልፍ) ዘሎዎ ክፍሊ ምሉእ ለይቲ ከም ዝሓድር ንገብሮ። በዚ ኣገባብ፣ መስርሕ ምብኳዕ ስለ ዝካየድ፣ ላክቲክ ኣሲድ ይፍጠር።

ደረጃ 3. ምውሳኽ ረነት

ረነት፣ ነቲ ኣብ ጸባ ዘሎ ፕሮቲን ኣብ ምርጋእ ወሳኒ ተራ ዘሎዎ ኤንዛይም እዩ። ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ረነት ካብ ጨጐራ መጥበውቲ እንስሳታት (ብፍላይ ድማ ምራዅት) ዝርከብ ኮይኑ፣ ውጽኢት እንስሳታት ዘይኰነ ረነት'ውን ኣሎ። እዚ፣ ጸባ ንኽረግእ ይሕግዝ። ቅድሚ ነቲ ዝረግአ ክፋል ምፍላይና፣ ነቲ ረነት ዝተሓወሶ ኣብ ደረጃ 2 እተገልጸ ጸባ ንሓደ ሰዓት ነጽንሖ።

ደረጃ 4. ምርጋእ

ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ረነት ዝተሓወሶ ጸባ ምርጋእ ይጅምር። ነዚ ንኽተሓዋወስ ብግቡእ ነዅሶ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ኣስታት 38 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ሙቐት ምውዓይ። እዚ ኸኣ ግቡእ ምፍልላይ ማይ ጨባን ፎርማጆን የስዕብ። እቲ ፎርማጆ ፕሮቲንን ስብሕን፣ እቲ ማይ ጨባ ግና 90 ሚእታዊት ማይን 5 ሚእታዊት ላክቶዝን ይህሉዎ።

ደረጃ 5. ምፍላይ ፎርማጆ

ፎርማጆ ካብ ማይ ጨባ ንምፍላይ፣ መዝቆቒ ሻሽ/ ጨርቂ ምጥቃም ይከኣል። እዚ ድማ ሕውስዋስ ፎርማጆን ማይ

ጨባን ናብቲ ሻሽ ብምፍሳስ ይፍጸም። እቲ ዝተፈልየ ፎርማጆ ማዩ ንምጽፋፍ ክልተ-ሰለስተ ግዜ ደጋጊምካ ምጽቃጥ ኣድላዪ እዩ። ምብልሻው ንምጕዳል፣ ቁሩብ ጨው ምንስናስ የድሊ። እዚ ደረጃ ፎርማጆ'ዚ ብግቡእ ዘይተመስርሐ ብምዃኑ፣ ዋላ ኣብ መዝሓሊ ማሽን እንተ ተዓቀበ፣ ቀልጢፉ እዩ ዝበላሾ።ስለዚ፣ ብሓረስቶት ኣብ ቤት ዝፈረየ

ፍርማጆ፣ ጨው ጌርካን ተወሳኺ ክንክን ብምግባርን እዩ ንነዊሕ ግዜ ምዕቃቡ ዝክኣል። ምብልሻው ወይ ምምሽማሽ ንምክልኻል፣ ሞልድ (Molds) እተባህሉ ጥረ-ነገራት ምውሳኽ ይክኣል። ዘድልየና መኣዛን መቐረትን ንምርካብ ድማ እተፈላለዩ ዓይነታት ሞልድን ቀመማትን ምውሳኽ ኣድላዪ ይኸውን።

***

ለ. ምስራሕ ጅብና ብደረጃ ፋብሪካ

እዚ ዝተራቐቐ መሳርሒታትን ቴክኖሎጅን ተጠቒምካ ይዕመም። ፎርማጆ ብዝለዓለ መጠን ንምፍራይ፣ ልዑል ዓቐን ጸባን ረነትን የድሊ። ብተወሳኺ፣ ምክንኻንን ምብሳልን ፎርማጆ ተወሰኽቲ ቀመማት ንነዊሕ ግዜ ብምጥቃም ይፍጸም። ድሕሪኡ እቲ ፎርማጆ፣ ንዕኡ ተባሂሉ ብዝተዳለወ መጠቕለሊ ወይ ማይ ዘየሕልፍ ፕላስቲክ ተጠቒምካ ይዕሸግን ይሽፈንን። ብሓፈሻኡ ተሪር ፎርማጆ፣ ውሑድ ማይ ይሕዝን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኸኣ ይዕቀብን።

***ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ፋብሪካ፣ እቲ ቐንዲ

ፎርማጆ/ ጅብና ንምስራሕ ዘገልግል ጥረ-

ነገር ጸባ እዩ። ጸባ ናይ ላም፣ ጤለ-በጊዕ፣ ባፋሎ ወዘተ. ኣብ ምስራሕ እተፈላለየ ጣዕሚ፣ ትሕዝቶን ጠባያትን ዘሎዎ ፎርማጆ ክውዕል ይኽእል። ሃብታም ትሕዝቶ ስብሒ፣ ፕሮቲንን ማዕድንን ዘሎዎ ጸባ ብሉጽን ብዙሕን ፍርያት ፎርማጆ ይርከቦ። ካብ ልዑል ትሕዝቶ ስብሒ ዘሎዎ ጸባ ዝምስራሕ ፎርማጆ፣ ልምሉም እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ መቐረት ፎርማጆ ዝሓሸ ይኸውን።- ኣብ ምስራሕ ጅብና ብኻልኣይ ደረጃ

ዝስራዕ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ድማ ዝጻወት መበገሲ ቡቕሊ (Starter culture) እዩ። እዚ፣ ኣብ ጸባ ኣሲድ ንኽፍጠር ባይታ የጣጥሕ። ብመሰረቱ፣ ጸባ ኣሲድ ንክኸውን ዝሕግዙ ባክተርያ ኣለዉዎ። ገለ ባክተርያ ዘይጓድኡ ክኾኑ ከለዉ፣ ገሊኦም ግና ሕማም ዘስዕቡ ሓደገኛታት ስለ ዝኾኑ፣ ኣብ ልዑል ሙቐት ብምፍላሕ ወይ ብኻልእ መገዲ ምምካን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።ጸባ ምስ መኸነ፣ ኣሲዳዊ ጠባይ

ንኸማዕብል ቡቕሊ ክውሰኸሉ ይግባእ። ባክተርያ ኣብ ምምስራሕ ፎርማጆ ዕዙዝ ተራ ስለ ዘሎዎም፣ ናይ ባክተርያ ቡቕሊ ኣብ ምምስራሕ ፎርማጆ ከም መበገሲ ቡቕሊ የገልግል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ መበገሲ ቡቕሊ ንምስራሕ ኣብ ዝተኻየዱ ጽዑቕ ምርምራዊ ስራሓት እተፈላለዩ ዓይነታት ቡቕሊ ንኽስርሑ ሓጊዙ እዩ።ስዒቡ ዝመጽእ መስርሕ ጅብና፣

ውዕዩ መበገሲ ቡቕሊ ዝተሓወሶ ናብ ኣሲድ ዝተቐየረ ጸባ ንኽረግእ ዝሕግዝ ረነት ዝተባህለ መራግእቲ ምእታው እዩ። ድሕሪ ምርጋእ እቲ ውጽኢት ናብ ንኣሽቱ ጭርምራም ክቈራረጽ ይኽእል። እዞም ዝረግኡ ጭርምራማት ምእንቲ ክዅምተሩ ክሞቑ ይግባእ። ብተወሳኺ፣ ብሓገዝ 'መበገሲ ቡቕሊ' ላክቲክ ኣሲድ ይፍጠር፤ ቀስ ኢሎም ድማ እቶም ዝረግኡ ጭርምራማት ናብ ዓቐን ሩዝ ዝኣኽሉ ንኣሽቱ ነገራት ይቕየሩ። ብድሕሪ'ዚ ዝግ ንኽብሉ ይግደፉ።እቲ ዝጸፈፈ ርጋእ ቍርጽራጽ እናተረረ

ስለ ዝኸይድ፣ ከቢብ ጎማ መሰል ቅርጺ ንኽሕዝ፣ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ መውጽኢ ቅርጺ (mold) ተመሊኡን ተሰጊዱን ምሉእ ለይቲ ይሓድር። ሓድሓደ ግዜ እዞም ሩዝ-መሰል ቅርጺ ዘሎዎም ዝረግኡ ነገራት፣ ተጣሒኖም ጸፋሕቲ/ ኩርናዓዊ ቅርጺ ዝሓዘ ፎርማጆ ክስርሑ ይኽእሉ። ኣብ ግዜ ምጥሓን፣ ኣዮዲን ዘይተሓወሶ ጨው ምውሳኽ፣ ነቲ ፎርማጆ ምቍር ክኸውንን ንነዊሕ እዋን ክዕቀብን ይሕግዞ። ንገለ ሰሙን ድሕሪ ምዕቃብ፣

እቲ ፎርማጆ ተሪር ይኸውን፤ ማእከላይ ጣዕሚ ድማ ይህሉዎ። ተሪር ፎርማጆ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክዕቀብ ኣለዎ። ብሓጺሩ ዝያዳ 'ዝተዓቀበ ፎርማጆ ዝያዳ መቐረት ይህሉዎ።

ገለ ካብ ዓይነታት ፎርማጆ፣-

ፎርማጆ ቸዳር፣-እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመበቈሉ

ኾይኑ፣ ካብ ጸባ ኸብቲ ዝዳሎ፣ ማእከላይ መቐረት ዘሎዎ ኣዝዩ ዝውቱር ፎርማጆ እዩ። ሕብሩ ኸኣ ካብ ወይናይ ናብ ኣራንቾኒ ዝኸደ ኾይኑ፣ ብቕርጺ በርሚል ይዳሎ። ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ዝተዓቀበ ጅብና፣ ማእከላይ ክብሃል ከሎ፣ ካብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሳዕ ሓደ ዓመት ዝተዓቀበ ኸኣ ብሱልን ምቁርን ጅብና ይብሃል። ፎርማጆ ስዊዝ፣-

ካብ ጸባ ኸብቲ ዝዳሎ፣ ናብ ብጫ ዝኸደ ኣንጸባራቒ ሕብሪ ዘሎዎ ዓይነት ፎርማጆ እዩ። እዚ ዓይነት ፎርማጆ ዓበይቲ ነዃላት ይውንን። እዞም ነዃላት፣ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ዕድመ ናይቲ ፎርማጆ ክምዕብሉ ይጅምሩ። ምስ ምውሳኽ ዕድመ ድማ ግዝፊ ነዃላት ካብ ሓደ ክሳዕ ልዕሊ ክልተ ሰንቲ ሜተር ክበጽሕ ይኽእል።

ሰማያዊ ፎርማጆክፍቶ ወይ ክጽላእ ዝኽእል ካብ ጸባ

ላም ዝዳሎ ዓይነት ፎርማጆ እዩ። እቲ ኣብቲ ፎርማጆ ዝርአ መትንኣዊ ምስሊ፣ ኣብ ግዜ ምምስራሕ ካብ ዝውሰኸሉ ቡቕሊ ፐንሸሊና ዝሰዓበ እዩ።

ካሕሳይ ነጋሽሚ/ሕርሻ

Page 4: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 4መበል 26 ዓመት ቁ.3

***

Page 5: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 5መበል 26 ዓመት ቁ.3

ትንታነ

ዜና

ተስፋኣለም የማነ

ኮሎምቢያ - ንፍርቂ ዘመን ዝዛረየ ደም ዝነቅጽ ይመስል

2ይን መወዳእታን ክፋል

መንግስቲን ተቓወምቲን ኮሎምቢያ፡ ካብ 2012 ኣትሒዞም ብሽምግልና ኲባን ነርወይን ድሕሪ ዘካየዱዎ ንልዕሊ 50 ዙርያታት ዝቐጸለ ናይ ሰላም ዝርርባት እዮም፡ ዝሓለፈ 24 ነሓሰ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም። እቲ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ክታሞም ከንብርሉ ተረዳዲኦምሉ ዘለዉ ናይ መፈጸምታ ስምምዕ፡ በቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ ግጭት ግዳይ ዝኾኑ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ኮሎምቢያ፡ ፍትሒ ክረኽቡ፡ መነባብሮ ህሙሻት ሓረስቶት ንምምሕያሽ ናይ መሬት ድልድል ክግበር፡ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ዘላቒ ፍታሕ ክረክብ፡ ሰውራውያን ዕጡቓት ሓይሊታት ኮሎምቢያ (ፋርክ) ዕጥቆም ክፈትሑ፡ ምስ ሕብረተ-ሰቦም ተጸንቢሮም ሰላማዊ ህይወት ንምምራሕ ክጣየሱ፡ ኣብ ፖለቲካ ናይ ምስታፍ ባይታ ክጣጣሓሎም፡ ከምኡ ድማ ትግባረ ናይ’ዚ ኩሉ ነጥቢታት ክሳብ ዝረጋገጽ ጽኑዕ ክትትል ክግበረሉ ዝብሉ ሽዱሽተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዝሓዘ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ምስ

ከተምሉ፡ ኣብ ርሑቕ ኣኽራናትን ጣሻታትን ኮሎምቢያ ዓስኪሮም ዝርከቡ ከባቢ 7,500 ዕጡቓት ፋርክ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ደጀናቶም ለቒቖም ናብ ዝተዳለወሎም 21 ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባታትን 8 መዓስከራትን ክግስግሱ እዮም። ናብኡ ምስኣተዉ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዕጥቆም ፈቲሖም ነቶም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኹ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ከረክቡ ክጅምሩ እዮም። እቲ ናይ ምርካብ መስርሕ፡ ኣብ ውሽጢ 80 መዓልትታት’ዩ ክዛዘም። ክሳብ’ቲ ስቪላዊ መነባብሮ ንምምራሕ ናብ ሕብረተ-ሰቦም ዝጽንበርሉ ግዜ ከኣ፡ ካብ ሰራዊት ይኹን ካብ ህዝቢ ዝኾነ ሓደጋ ንኸየጋጥሞም መንግስቲ ኮሎምቢያ ናይ ድሕነቶም ሓላፍነት ክወስድ እዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ተቖጻጸርቲ እውን፡ ነቲ 6 ወርሒ ዝወስድ መስርሕ ክሳብ መፈጸምታኡ ክከታተሉዎ እዮም። ብድሕሪ’ዚ፡ ፋርክ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ (ኮንግረስ) ክሳብ 2018 ውሱን መናብር ክሕዛኣሉ እዩ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ባይቶ ተዓዛቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ድምጺ ስልጣን ኣይክህሉዎን እዩ። ድሕሪ 2018 ድማ፡ ኣብ ምርጫታት ክሳተፍን ፖለቲካዊ ሰልፊ ከቕውምን ክፍቀደሉ እዩ። እቲ ዝእከብ ወተሃደራዊ ዕጥቁ ድማ፡ መኺኹ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ሰላም ሓወልቲታት ኣብ ምስራሕ ከገልግል ኣፍቂዱ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን

ኣብ ሃቫና - ኲባ ዝተሰማምዕሉ ደምዳሚ ውዕል ሰላም፡ መዓስ ከምዝኽትምሉ ገና ብወግዒ ኣይተገልጸን ዘሎ። እንተኾነ፡ ዓርቢ 23 መስከረም 2016 ኣብ ውሽጢ ኮሎምቢያ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ኣሎ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ሓያለ ኣህጉራውያን ልኡኻት ተዓዘብቲ ኮይኖም ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር። ዝሓለፈ 29 ታሕሳስ ቀያዲን ነባሪን ምቁራጽ ተኹሲ ዝኣወጀ መሪሕነት ፋርክ፡ ካብ 13 ክሳብ 19 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብቲ ኣብ ርሑቕ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝርከብ

ደጀናቱ ዋዕላ ከካይድ እዩ። ኣብ ታሪኹ ን10ይ ግዜኡ ኣብ ዘቃንዖ ዋዕላ፡ ነቲ ብቋንቋ እስጳኛ ተዳልዩ ቀሪቡ ዘሎ 297 ገጽ ዝሓዘ ስምምዕ፡ ክካታዓሉን ናይ መወዳእታ ውሳነ ክህበሉን እዩ። መንግስቲ ኮሎምቢያ ግን ንትሕዝቶ ናይ’ቲ ስምምዕ ድሮ ናብ ኮንግረስ ልኢኹዎ ኣሎ። ኮንግረስ ድማ እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምኽታሙ ክጋባእን ብዓብላሊ ድምጺ ክድግፎን ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ነቲ ዝኽተም ደምዳሚ

ውዕል ሰላም ክቕበሎ ወይ ክነጽጎ ምሉእ ስልጣን ተዋሂቡዎ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ 2 ጥቅምቲ ህዝባዊ ረፈረንዱም ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብቲ ረፈረንዱም፡ ብውሕዱ 13 ሚእታዊት ካብ ኣድመጽቲ (ኣስታት 4.4 ሚልዮን) እንተዘይደጊፎምዎ፡ እቲ ውዕል ክስረዝ እዩ። ወዲ 65 ዓመት ፕረዚደንት ጁዋን ማኑኤል ሳንቶስ፡ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ብመገዲ ቴለቪዥን ሃገሩ ንህዝቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እቲ ረፈረንዱም ንመጻኢ ዕድልና ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን እዩ። ስለዚ እቲ ምርጫ ኣብ ኢድኩም እዩ ዘሎ። ንመጻኢኹም ዘርብሕ ቅኑዕ ውሳነ ክትመርጹ ኣለኩም” ክብል ተማሕጺኑ።ሓደ ካብ’ቲ ኣብ’ቲ ስምምዕ ሰፊሩ ዘሎ

ነጥቢታት፡ መጠኑ ብዘየገድስ፡ ፖለቲካዊ ገበናት ዝፈጸሙ ኣባላት ፋርክ ምሉእ ምሕረት ክግበረሎም፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሰቃቒ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ኣባላት ግን ብሕጊ ክቕጽዑ ስለ ዘለዎም፡ ንጉዳዮም ዝምርምር ፍሉይ መጋባእያ ክቐውም ዝብል እዩ። ምስ’ቲ መጋባእያ ምትሕብባር ዝኣበዩ ገበነኛታት፡ ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክፍረዱ፡ እቶም ብፍቓዶም ክናዘዙ ዝመረጹ ገበነኛታት ግን መቕጻዕቶም ናብ ትሕቲ 8 ዓመት ክሸላሸለሎም ዝብል ነጥቢ’ውን ኣካል ናይ’ቲ ስምምዕ እዩ። እንተኾነ፡ ገበናት ዝፈጸሙ ኩሎም ኣባላት ፋርክ ናብ ሕጊ ዘይቀርቡ እንተኾይኖም፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ከምዘይድግፍዎ ሓያለ ዜጋታት’ታ ሃገር የጠንቅቑ ኣለዉ። ካልኦት’ውን፡ ኣባላት ፋርክ ሲቪላዊ መነባብሮ ክመርሑ ዘኽእሎም ሞያ ይኹን ትምህርቲ ስለዘይብሎም፡ እቶም ምሕረት ተገይሩሎም ዝጣየሱ ገበነኛታት ተመሊሶም ናብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ካልእ ገበናትን ብምእታው፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከይፈጥሩ ብምስጋእ፡ ኣብቲ ረፈረንዱም ኣንጻር’ቲ ስምምዕ ሰላም ከድምጹ ከምዝመርጹ ይገልጹ ኣለዉ። ንኩነታት’ታ ሃገር ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ብወገኖም፡ ኮሎምቢያ ንተመኩሮ ኤልሳልቫዶርን

ጓቲማላን ከይትደግም ስክፍታኦም ይገልጹ። ብፍላይ እቲ ኣብ 1980 ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ኤልሳልቫዶር ኣብ 1992 ብሰለማዊ መገዲ ድሕሪ ምዕራፉ፡ እታ ሃገር ምስ ዕጸ-ፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበናት ክትናወጽ ግዜ ኣይወሰደላን። እንሆ ድማ ሎሚ ሓንቲ ካብተን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቅትለት ዝረኣየለን ‘ገሃንም’ ዝበሃላ ቀዳሞት ሃገራት ኮይና ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 6,656 ዜጋታታ ምስ ዕጸ-ፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበናት ህይወቶም ስኢኖም። ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት

ኮሎምቢያ’ውን ነቲ ስምምዕ ሰላም ኣይደገፉዎን። መንግስቲ ምስቶም “ኣእዳዎም ብደም ንጹሃን ዝጨቀወ ኣሸበርቲ” ኢሎም ዝገልጹዎም ዕጡቓት ስምምዕ ሰላም ክኽትም ምምራጹ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሎምን ዘሎ። ብፍላይ እቲ ንኮሎምቢያ ካብ 2002 ክሳብ 2010 ዝመርሓ ፕረዚደንት ነበር ኣልቫሮ ኡሪበ፡ “ጉዳይ ኮሎምቢያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ’ዩ ክፍታሕ ዝግባኦ ነይሩ።” ክብል ኣብ ልዕሊ’ቲ ስምምዕ ሰላም ዘለዎ ተሪር ተቓውሞ ብግህዶ ኣስሚዑ። እቲ ብኣመሪካ እናተደገፈ ኣብ ልዕሊ ፋርክ ጨፍላቒ ወተሃደራዊ ፖሊሲ ዝኽተል ዝነበረ መራሒ ነበር ኣብ መግለጺኡ፡ ህዝቢ ኣብቲ ረፈረንዱም ኣንጻር’ቲ ስምምዕ ከድምጽ ጸዊዑ። ነዚ ዝተዓዘቡ ሓያለ ክኢላታት፡ ነቲ ህዝባዊ ረፈረንዱም ምስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘካየደቶ ተመሳሳሊ ረፈረንዱም እናመሳሰሉ ይገልጹዎ ኣለዉ። ከምቲ ውጽኢት ረፈረንዱም ብሪጣንያ ኣንጻር ድሌትን ትጽቢትን መራሕታ ኮይኑ ዝተረኽበ፡ ውጽኢት ረፈረንዱም ኮሎምቢያ’ውን ዘሰንብድ ከይከውን ስግኣት ኣለዎም። መንግስቲ ኮሎምቢያ ብወገኑ፡ ዋላ’ኳ ፕረዚደንት ጁዋን ማኑኤል ሳንቶስ ዘለዎ ህዝባዊ ተቐባልነት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንደሓር ጥራይ ብ26 ሚእታዊት ኣንቆልቊሉ ምህላዉ እንተተኣመነ፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኮሎምቢያ ነቲ ስምምዕ ከምዝድግፎ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ። መንግስቲ ኮሎምቢያ፡ ኣብ ቅድሚኡ

ተገቲሩ ዝጽበዮ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ’ውን ኣለዎ። ህዝቢ ነቲ ስምምዕ ምስ ዝድግፎ፡ እቲ መንግስቲ ዕጥቆም ንዝፈትሑ ኣሽሓት ኣባላት ፋርክ ንምጥያስ (እግሪ ንምትካል)፡ ተመዛቢሎም ዘለዉ ኣስታት 7 ሚልዮን ዜጋታቱ ናብ ቦታኦም ንምምላስ፡ በቲ ግጭት በደላት ዝበጽሖም ግዳያት ንምኽሓስ፡ ከምኡ ድማ ብውሑዳት ሰብ-ጸጋ ተባሒቱ ዘሎ ዝሰፍሐ ናይ ሕርሻ መሬት ንድኻታት ሓረስቶት ንምምቕራሕን፡ ተረሲዑ ኣብ ዝጸንሐ ርሑቕ ገጠራት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውዳድን፡ . . . ዘኽእሎ

እኹል ባጀት የብሉን። ብሰንኪ ምንቁልቋል ዋጋታት ነዳዲ ቁጠባ’ታ ሃገር ተዳኺሙ ስለዘሎ፡ ንትግባረ ናይ’ዚ መስርሕ ሰላም ከም መበገሲ መዲቡዎ ዘሎ ባጀት፡ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ጥራይ እዩ። እቲ ዝሓቶ ወጻኢታት ግን ልዕሊ 40 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ስነ-ቁጠባ’ታ ሃገር ዘመልክቱ። በዚ ከኣ እቲ መንግስቲ ካብ ለገስቲ ሃገራት ፊናንሲያዊ ሓገዝ ብወግዒ ክሓትት ምዃኑ ሚኒስተር ፋይናንስ ማውሪሲዮ ካርደናስ የረድእ። ዓመታዊ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትልግስ ዝጸንሐት ኣመሪካ፡ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ሰላም ምስ ዝኽትሙ፡ ነቲ መጠን ሓገዝ ናብ 450 ሚልዮን ዶላር ክብ ከተብሎ ምዃና ኣቐዲማ ኣተንቢሃ ነይራ። እንተኾነ፡ ነቲ ሓገዝ ቅድሚ

ምሃባ ንመንግስቲ ቦጎታ ቅድመ-ኩነት ከተቕርበሉ ከምእትደሊ’ውን ገሊጻ ኣላ። ንሱ ድማ፡ ኣባላት ፋርክን ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ኣሽሓት ሓረስቶትን ናብቲ ገዚፍ ፊናንሲያዊ እቶት ክግሕጥሉ ዝጸንሑ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ሕርሻ ኮከይን መታን ከይምለሱ፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዝቕበሎ ሓገዝ ኣብ ምምዕባል ሕርሻ ኣእካልን ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ከውዕሎ ዝሓትት እዩ። ኣመሪካ፡ ካብቲ 50 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኮሎምቢያ፡ እቲ ሓደ ሚልዮን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብ ንጥፈታት ዕጸ-ፋርስ ከም ዝዋሳእ’ያ ትኣምን። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቲ ዝፈሪ ዕጸ-ፋርስ ድማ ብሕቡእ ናብኣ ከምዝኣቱ ትገልጽ። ትግባረ መስርሕ ሰላም ኮሎምቢያ፡

ቀሊል ግምት ዘይወሃቦ ካልእ ብድሆ’ውን ይጽበዮ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ንኣሽቱ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ስለዘይተሓቘፉ፡ ነቲ መስርሕ ከየተዓናቕፉዎ ስግኣት ኣሎ። ሓደ ካብዞም ጉጅለታት፡ ካብ 1964 ኣትሒዙ ኣንጻር መንግስቲ ኮሎምቢያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ብ‘ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት’ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ልዕሊ 2 ሽሕ ዕጡቓት ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲን ፋርክን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ብዘየገድስ፡ ቃልሱ ክቕጽሎ ምዃኑ የጠንቅቕ ኣሎ። ካልእ ካብ ሰውራዊ ዕጡቕ ሓይሊ ኮሎምቢያ (ፋርክ) ተፈንጪሉ ዕጥቃዊ ቃልሱ ዘካይድ ዘሎ ‘ቀዳማይ ግንባር ኣርማንዶ ሪዮስ’ ዝተባህለ፡ ካብ 200 ክሳብ 400 ዝግመቱ ኣባላት ዘለዉዎ ዕጡቕ ጉጅለ’ውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ከስምዕ ቀንዩ።

Page 6: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 6መበል 26 ዓመት ቁ.3

17 ክፋል

ሜሮን ሃይለማርያም

ቀዳመይቲ ፍቕሪ

“ርኢኻ ከምኡ’የ ዝበልኩኻ፡ ንስኻ’ውን ካብ ሕጂ ባጀት ክትስልዕ ክትጅምር ኢኻ። ጆሲ ዓርከይ ኣብ ኢዱ ዘላ ጎርዞ ንባጽዕ መኼዲ ገንዘብ ካብ ኣጥፍአ፡ ንስኻ ከኣ ንዘየርገጽካያ ጓል ዝያዳ ባጀት ከም ዝሓተካ ፍሉጥ’ዩ። ምኽንያቱ ንኽትረግጽ ገለ ባይታ ክዀነካ ይኽእል’ዩ።” ናይ ስቴላ ዕለተ ልደት ምስ ተላዕለ ኣቤል ክህቦ ዝጸንሐ ሓሳብ መደራዕታ ኰይንዎ ከባጩ ጀመረ።“ኣንታ ንስኻ ኣኺሉካ ካብተን

ትረኽበን ኣዋልድ ድዩ ዋላስ ካብ ርእስኻ’ዩ ኩሉ ናይ ደቀንስትዮ ነገር ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰር?” ዮናስ ተገሪሙ ጠመቶ።“ስቕ ኢሉ’ዩ ዮኒ ዓርከይ።

ብተጥፍኣላ ገንዘብ ትመዝነካ እንተዀይና ሕጂ ብኣግኡ ክትርሕቀልካ ይሓይሽ። ብሓቂ ተድልየካ ጓል ዝያዳ ዘጥፋእካዮ ነገር እቲ ሓሳብካ’ዩ ዘገድሳ። ስለዚ ኣብ ልዕሊኣ ዘለካ ኣረኣእያ ትገልጸላ መዓልቲ ምዃና እናሓሰብካ ተዳሎ።” ዮሴፍ ምኽሩ ለገሰ።

***ኣብታ ጸባብ ሰለስተ ዓራት፡ ገለ

ኣቑሑት ክሽነ ምስ ናይ ማይ ጎማ ትውንን ገዛ፡ ሰለስተ ጎራዙት ይነብራ። ሓንቲ ካብኣተን ጽዮን እያ። ገሊአን ንትምህርተን ገሊአን ከኣ ንስርሐን ኢለን ካብ ስድርአን ተፈልየን ብምምጽአን ንግዚኡ ተሰማሚዐን ሓቢረን ንኽነብራላ ዝተኻረይኣ ገዛ እያ። ንቡር ከይተርፍ ግን ገለ ገለ ዘገራጭወን ምኽንያት ክርከብ ግድን ነበር። ኣብቲ ግርህነት ዝተሓወሶ ውዑይ ባህሪ ጽዮን ሃንደፍ ኢልካ ምዝራብ’ውን ገለ ኣካል ናይ ጠባያ’ዩ። ጽዮን ምስ ዳዊት ዘማዕበለቶ ርክብ ብገለ ወገኑ ክጸርባን ኣብ ባህርያታ’ውን ለውጢ ከምጽኣላ እንከሎ ማዕሪኡ’ውን ተጫራቲ ናይ ግዜኣ ክኸውን ጀሚሩ ነበረ። እታ ተሓጉሳን ጉህያን ኣብ ገዛኣ ትዕምጸጽ ዝነበረት፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ሓሳባን ስምዒታን ተንፍሰሉ ዳዊት ረኺባ ነበረት። ሎሚ’ውን ከም ኣመላ ምስ መዳቕስታ ብምግርጫዋ’ያ ናብ ዳዊት ዝመጸት።ጽዮን ኣእዳዋ ንየማነ ጸጋም

እናወናጨፈት ዘጋጠመ ተዕልል። ኣዝያ ጉህያ ምንባራ እተን ደም ዘስረባ ኣዒንታ ይሕብራ ነበራ።

“ክርሕቃ ኣይክእልን’የ፡ ጽቡቕ ክትከውን እንከላ ኣዝየ’የ ዝሕጎስ። ሃንደበት ምኽንያቱ ብዘይርዳኣኒ ክትኩሪ እንከላ ከኣ ዘህድኣላ መንገዲ ጠፊኡኒ ዓቕለይ’ዩ ዝጸበኒ።” ብዛዕባ እታ ንኩራ ኣብ ቀረባ ዝዀነት ሄለን መዳቕስታ’ያ ትዛረብ ነይራ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕብኣ’ያ ተጭበርብር።“እሞ ዘዀርይዋ ነገራት

ከተስተውዕልሎም ዘይትፍትኒ? ምስትውዓል ንሰብ ንኹራ ደንጓዪ፡ በደል ናይ ሰባት ድማ ሸለል ከም ዝብልን ከም ዘሐልፍን ይገብሮ።” ዳዊት ምኽሩ ሃበ።“እዋይ ዳዊት ከኣ፡ ሄለን ብስራሕ

ወይ ብኻልእ ዝዀነ ነገር እንተ ሓሪቓ፡ ኩልና ንገብሮ’ዩ ዘይቅቡል ዝኸውን። እንተተሓጉሳ ከኣ በቃ ዘየለ ነገር ክንገብር ዳርጋ ቀንዲ መሓዙት ንኸውን። ንሱ እኳ’ዩ ዘይርዳኣኒ።” ጽዮን መሊሳ ኣንጸርጸረት።“ብዛዕባ’ቲ ብደገ ዘሕርቓ ነገራትከ

ተዕልላዶ? ሽዑ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥማ ክትፈልጥን ኩነታታ ክትርድኢን ምቐለለኪ ኢለ’የ።”“ንሱ ከም ድሌታ እዩ። ሓደ ሓደ

ግዜ ትነግረና፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ደሓን’የ ኢላ ትዓጽወና። ከይሓተትና ስቕ እንተበልና ከኣ ዘይተገደስና ከይመስላ ባዕለይ’የ ወጠምጠም ክብል ዝሓታ።” ንነብሳ ክትጸርፍ ጀመረት።“ምሕታትኪ ጽቡቕ’ዩ። ደሓን’የ

እንተኢላትኪ ግን ክትደፋፍእያ ኣይትፈትኒ። ኣቦታትና’ኳ ‘ድሕሪ ደሓን ኣይትሕተት’ ዝብሉ። ካብኡ ዝሓለፈ ግን ከም መሓዛኺ እንተ ዘየቕረብክያ እመርጸልኪ። ቁጡዑን ኣንጸርጻርን ሰብ ኣይትመሓዞ ሕማቕ ኣመሉ ከይለግበካ’ሞ ኣብ ህይወትካ መፈንጠርያ ከይኰነካ ትብለኒ ነይራ ማማ።” ብዋዛ ገይሩ’ዩ ነገራት ከረድኣ ዝፍትን። “ሓቅኻ፡ ክትሕጎስ እንከላ ትዀኖ

ርእየ እናረሳዕክዎ’ምበር ኩሉ ግዜ’የ ምስ ነብሰይ ቃል ዝኣቱ።” ጽዮን ምስ ዳዊት ተሰማምዐት። ኩሉ ዝጎድላ ነገር ክመልኣላ ዝኽእል ምዃኑ እናሓሰበት’ያ ጉዳያ ተካፍሎ። ንሱ’ውን በቲ ሓንሳብ ኣብ ርእሱ ዘስረጾ ስእሊ ወትሩ ክሕግዛ ድሉው እዩ። ኣሸጋሪ ኢላ ትሓስቦ ነገራት ብብዙሕ መዳያት ዝሰገሮምን ኣብቲ እዋን ኣብ ምድቃሱ ኰይኑ እናኣስተንተነ ዝስሕቀሎም ዛንታታት እዮም። ዳዊት ምስ ሓሳቡ ተሰማሚዓ ክንሳ

ዝተኣስረ ገጻ ግን ብዘይምፍትሑ

ገና ከም ዘይተጸናንዐት ክግምት ኣይጸገሞን። ስለዚ ካብ ዝነበሮ ተሲኡ ኣብ ጎድና ኰይኑ ከጸናንዓ ጀመረ። ኣጆኺ ማዕረ ክንድኡ ኣብ ርእስኺ ኣይተእትውዮ። ደሓር ከኣ ሕጂ ኢኺ’ምበር ድሕሪ ግዜ ነናብ ቤትክን ምስተመለስክን እኳ ክትነፋፈቓ ኢኽን” ሕቖኣ ክጥብጥብ ጀመረ። ጽዮን ኣእዳዉ ኣብ ኣካላ ክዓልባ ምስ ጀመረ ካብ ጸጉሪ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ምሉእ ኣካላ ሓዊ ክዝራእ ተፈለጣ። ዘይትፈልጦ ስምዒት ካብ ዝነበረቶ ሓሳብ ኣውጺኡ ኣብ ሓድሽ ማዕበል ናይ ፍቕሪ ከንሳፍፋ ተረድኣ። እቲ ጽቡቕ ፍቕራዊ ህይወት ክውድእ ትጽዕረሉ ዝነበረት ሰብ ሽዑ ግን ንነብሳ ከይትምነዮ ፈርሐት። “ሓቅኻ ሕጂ’ውን ክኸይድ ወላ ይቕሬታ ክሓታ፡” ትብሎ ዝነበረት ብዘይምስትብሃል ሃንደበት ካብ ዝነበረቶ ብድድ በለት።“እዋእ በቃ ከምኣ ኢልኪ

ንኽትምለስያ ኢኺ ንዓይ ከተሕምይኒ ጸኒሕኪ” ዳዊት’ውን ቀልጢፋ ክትምለሳ ብምውሳና ብ ም ድ ና ቕ ፍሽኽታ

ኣሰንዩ ሓተታ።“ ም ሽ

ምስ ተፈላለኽን ክትነፋፈቓ ኢኽን ትብለኒ ኣለኻ። ከይተፈላለና ከለና ጽቡቕ ክንከውን ኢለ’የ።” ጽዮን ዝበለቶ ተረዲኣ ከተመኽኒ ፈተነት።“ሕራይ በሊ ጽንሒ ክድርብ

እሞ ከፋንወኪ።” ዳዊት’ውን ጃኬቱ ወድዩ ከፋንዋ ተበገሰ።“ደሓን ባዕለይ ክኸይድ” ቀልጢፋ

ካብ ገጹ ክትርሕቕ ደልያ መሪሓቶ ወጸት። ዳዊት ምስ ናይ ካልእ ግዜ ቅሳነታ ኣነጻጺሩ ናይ ሽዑ ታህዋኻ እናኣገረሞ ሰዓባ።ጽዮን ክሳብ ገዛኣ ትበጽሕ

ብዘይካ’ቲ ጸጸኒሓ ‘ካብዚ ተመለስ፡ ይኣኽለኒ’ዩ’ ትብሎ ዝነበረት ገዲፍካ ብዝዀነ ኣርእስቲ ካብ ዕላል ኣፋ ተታሒዛ ነበረት። ዳዊት’ውን ባህራ እናኣስደመሞ እዚ’ውን ገለ ካብቶም ተምጽኦም ፍሉያት ጠባይ’ዩ ኢሉ እናሓሰበ ቤታ ኣብጺሕዋ ተፈላለዩ።ጽዮን፡ ቤታ ኣትያ ኣብ መዳቕሶኣ

ኰይና ሓሳብ ከተገማጥል፡ ምስ መዳቕስታ ዘጋጠመ ግርጭት ረሲዓ ሓደረት።

*** ስቴላ ናብ ስራሕ ክትመጽእ

እንከላ ብዛዕባ’ቲ መሓዝኣ ምስ ኣፍቃሪኣ ዘጋጠመ ግርጭት፡ ብመንገዲ ዮናስ ኩነታት ዮሴፍ ክትፈልጥ መዲባ’ያ መጺኣ። ከም ልማዶም ከኣ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ሻሂ ክሰትዩ፡ ዮናስ’ውን ‘ብዛዕባ ሶሊ ከነዕልል ኢና’ ብምባሉ ካብ ካልኦት መሳርሕቶም ተፈልዮም ምስ ዮናስ ወጹ። ኣብ ሓደ ጣውላ ሰፈር ሒዞም ኮፍ ምስ በሉ ከኣ፡ ስቴላ ኩነታት ዮሴፍ ብምፍላጥ ንመሓዝኣ እናተጣበቐት ማዕሪኡ ከኣ ፍቕሪ መሓዝኣ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ መገዲ ከተናዲ ሓሳባ ክትሰርዕ ጀመረት። መእተዊ ቃላት እናሓሰበት እንከላ ግን፡ ዮናስ “ሶልያና’ባ ከመይ ኣላ፡ ኣብዚ ሰሙን ተራኺብክንዶ ትዀና?” ቀዳምነት ሃለዋት ሶልያና ሓተተ።“ሶሊ ደሓን’ያ፡ ብኣካል እኳ

ኣይተራኸብናን ደዊላትለይ ስለ ዝነበረት ግን ሎሚ ክረኽባ’የ።” ስቴላ መለሰት።“ኦ ጽቡቕ!

እሞ ነጊራትኪ ትኸውን እያ። ግን ምስ

ጆሲ

ቁሩብ

ተዃርዮም ኣለዉ። ስለዚ

ኣነ’ውን ክረኽባ እናበልኩ’የ።” ደዊላ ብምባላ

ነጊራታ ክትከውን ከም ትኽእል ዮናስ ተስፋ ገበረ።“እወ ገሊኡ ብተሌፎን ነጊራትኒ

ነይራ። ክትረኽባ እንተሓሲብካ ደኣ ንስኻ’ውን ኩሉ’ቲ ኩነታት ፈሊጥካ ኣለኻ ማለት’ዩ ምሽ?”“እወ ጆሲ ኣዕሊሉኒ፡ ሶሊ ተጋግያ

እኳ እንተዘይኰነት ናይ ጆሲ ሓሳባት ግን ቅኑዕ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ስለዚ’የ ክረኽባ ሓሲበ።”“ሓደ ሰብ ቅኑዕ እንተዀይኑ እቲ

ካልእ ወገን ጌጋ ኣሎ ማለት እዩ፡ ስለዚ ሶልያና ጌጋ ኣላ ማለት እዩ።” ስቴላ ክትጣበቕ ተገደደት። “ነው፡ ከምኡ ማለት ኣይኰነን።

ሓቂን እቲ ሓቂን ዝብሃል ነገር ኣሎ። ክልቲኡ ሓቂ’ዩ ግን ከኣ ፍልልይ ከኣ ኣለዎ። ሓቂ ካብ ብዙሕ ሓቂታት ሓደ ሓቂ እዩ። እቲ ሓቂ እንተኢልና ግን ካብዘን ኩለን ሓቅታት እቲ ዘይልወጥ ሓቂ ማለት እዩ።”“ዋላ ኣይሓዝኩኻን እንታይ

ማለትካ እዩ? ምስ ጉዳይ ሶልያናን

ዮሴፍንከ እንታይ’ዩ ዘተኣሳስሮ።” ስቴላ ክርድኣ ኣይከኣለን።“ንኣብነት ፍቕሪ ብዙሕ ሰብ

ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጾ። ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ከፍቅረሉ ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያት ክዝርዝር እንከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ዘፍቅረሉ ምኽንያት ዘይብሉ ጥራይ የፍቅር። ወይ’ውን ሓደ ሰብ ኣብ ፍቕሪ ምስ ኩሉ ክፉኡን ጽቡቑን ወትሩ ህላውነት እቲ ዘፍቅሮ ሰብ ጥራይ ይደሊ። እቲ ካልእ ከኣ ዋላ ኣብ ጎድኑ ዘየለ ክንሱ ብዘይ ህላውነቱ ብዝሓለፈ ነገራት ጥራይ ይሳለ። ሓደ ርእይ ኣቢሉ ኣብ ፍቕሪ ይወድቕ፡ ካልእ ኣጸቢቑ ምስ ፈለጠ ኣብ ፍቕሪ ይወድቕ። እዞም ኩሎም ሰባት በብወገኖም ብዘስተማቕርዎ ፍቕሪ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣለዎም። እዚ እቲ ካብ ብዙሓት ሓቂታት ሓደ ንብሎ እዩ፡ ‘ኤ ትሩዝ’ ከኣ ካልኣይ ስሙ’ዩ። እቲ ካልእ ከኣ ንኣብነት ጸሓይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ቦታን ብምብራቕ’ያ ትበርቕ። እዚ ብናይ ዝዀነ ሰብ ኣተሓሳስባ ይኹን ርዲኢት ዘይቅየር እዩ። እዚ ከኣ እቲ ሓቂ ወይ ከኣ ‘ዘ ትሩዝ’ ይብሃል።” ዮናስ መግለጺኡ ክህብ እንከሎ ስቴላ ፈዚዛ ትጥምቶ ብምንባራ ምስኡ ምህላዋ ንኸረጋግጽ “ተረዲእክኒዶ?” ብምባል ሓተታ።“እወ ምሉእ ብምሉእ ተረዲአካ፡

” በለቶ። ምሉእ ኣእዛናን ልባን ብምሃብ ኣብ ተመስጦ ኣትያ’ያ ትሰምዖ ነይራ።“ስለዚ ሶልያናን ዮሴፍን በብወጎኖም

ነናቶም ሓቂ ሒዞም ኣለዉ። ዝያዳ ግን ሶልያና ‘እታ ሓቂ’ ኣየለለየታን ዘላ ኢለ ስለዝሓሰብኩ’የ ምስ ጆሲ ተሰማሚዐ ክረኽባ ሓሲበ።” ተሰማሚዓ ዝጸንሐት ኣብ

መወዳእትኡ ግን እቲ ጌጋ ናብ መሓዝኣ ክዛዙ ዘስተውዓለት ስቴላ፡ “ከመይ ማለት? ሶሊ’ኮ ንሓልዮት ስድርኣ’ያ ነዚ ነገር እዚ መሪጻ፡ ንጥቕማ ወይ ክትዘውር ስለ ዝመረጸት ኣይኰነትን።” ሽዑ’ውን ኣብ ተጠንቀቅ ኰነት።“እወ፡ ግን ንሱ’ውን ነታ ክልቲኦም

ዝሃነጽዋ ስድራ ክምስርት’ዩ ዝሓስብ ዘሎ። እዚ ግን ኣይኰነን እቲ ነጥቢ። እታ ዘላታ ስድራ ኰነ እታ ዝምስርትዋ ስድራ ኣብ ክልቲኦም ኣይትሙርከስን እያ። ዝያድኦም ዝሓልን ዘንብርን ሰማያዊ ኣቦ ኣለዎም። ነዚ ሓቂ’ዚ’የ ክትዝክር ደልየያ።”“ንሱስ ሓቅኻ! ሶሊ መሓዛይ ገዛኣ

ብዘይ ብኣኣ ሓንቲ ነገር ክገብሩ ዝኽእሉ ኰይኑ ኣይስምዓን’ዩ። ትፈልጥ ትማሊ’ውን እቲ ቀንዲ ፍርሓ ገዛኣ ምዃኑ’ያ ነጊራትኒ ‘ንገዛና የድልዮም እየ’ ኢላ እያ ትሓስብ።” ስቴላ ኢዳ ሃበት።

ይቕጽል

Page 7: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 7መበል 26 ዓመት ቁ.3

ዓብደልቃድር ኣሕመድ

ቅድሚ ሓደ ዓመት’ዩ - 2015። ንደቆም ክርእዩ ካብ ኣስመራ ናብ ሕ.መ.ኣ ዝተጓዕዙ ኣቶ ኢዮብ በርሀን ወ/ሮ ዘውዲ ብሩን፡ ሓደ ንግሆ ኣብታ ደቆም ዝቕመጡዋ ኣሪዞና ቤተሶም ንምርኣይ ናብ ኢንዲያናፖሊስ ከዱ’ሞ ኣብታ ከተማ ናብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንኽሳለሙ ተበገሱ። ተሳሊሞምን ጸሎት ኣብጺሖምን ብዝወጽኡ ከኣ፡ ወ/ሮ ዘውዲ ኣብ ኣፋፈት ናይቲ ቤተ ክርስትያን ኮይነን ብማዕዶ ምስ ረኣያኣ ወቓሕ ዝበለተን ሰበይቲ ይጥምታ’ሞ ናብኣ ገጸን ቀሪበን ይውከሳኣ። “ እንተዘይ ተጋግየ እልፉ ሰይቲ ካሕሳይ

ዲኺ…ኣደ ይርጋኣለም?”“ እውይ! ዘውዲ..ሰይቲ ሓሙተይ! መኣስ

ድኣ መጺእኩም!” ወ/ሮ እልፉ ንሓሙታን ሰይቲ ሓሙታን ሰዓመቶም። ተተሓሒዞም ድማ ናብ እንዳ ወ/ሮ እልፉ ከዱ።ኣብቲ ገዛ ምስ ኣተዉ ንጋሻ ዝበቅዕ

እንግዶት ተገብረ’ሞ ዕላል ጸወታ ዓመረ። ኣብ ከምዚ ሃዋህው ከኣ’ዮም እቶም ክልተ ኣሕዋት ተማሃሮ ሰላምታ ኣቐዲሞም ዝተጸንበርዎም። ዓባዮም ወ/ሮ እልፉ፦“ደቂ ጓለይ እዮም….እዚኣ ምዕባዩ እያ

ድያና ምስግና ድሮ ጓል 14 ዓመት ኮይና፡ ምንኣሳ ከኣ ኬቨን” ክትብል ኣላለየቶም።ዲያናን ኬቨንን ሓንቲ ንኽልቲኦም

ከተገድሶም ዝጀመረት ሕቶ ኢዮም - እቶም ኣጋይሽ ቅድሚ ናብ ገዝኦም ምምላሶም ክሓቱ ብሕሹኽታ ዝተሰማምዑ። ኣቶ ኢዮብን ወ/ሮ ዘውዲን ምብጋሶም

ምስ ኣረጋገጹ ከኣ ናብኣቶም ቀረቡ’ሞ-“ ባባ…ስለምንታይ ዘይመጽአ….ባባ

ኣበይ ኣሎ? በጃኹም ንገርዎ ክንርእዮ ደሊና…ፕሊስ ማማ ዘውዲ….ባባ ኢዮብ!”ድሕሪ’ዛ ሕድሪ ዘሰከመቶም ሕቶ፡ ኣቶ

ኢዮብን ወ/ሮ ዘውድን ኣይቀሰኑን። ናብ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ወዶም መንእሰይ ሙሴ ኢዮብ ደዊሎም።“ ንወለዲ ምስግና ረኺብካ ድሃይ ኣቦ

ዲያናን ኬቨንን ግበር..ሓደራ!” በልዎ።መንእሰይ ሙሴ ብወገኑ፡ ንኣቶ ጸጋይን

ወ/ሮ ሄዋንን ረኺቡ ተወከሶም። እቲ መልሲ ‘እቲ ድሮ ዓሰርተ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ድሃይ ምስግና ወደይሲ ገና ኣይቀበጽናን….ንጽበ’ ዝብል። መንእሰይ ሙሴ ዓምዲ ገጻት ህይወት

ትዝ በለቶ። “ እሞ ገለ እንተተሓባበሩና’ዶ ናብ

ፎርቶ ከይድና ክንፍትን?” ምስ በሎም…ክልቲኦም ወለዲ ድልዋት ነይሮም።

***ግዜ እንተሎ ተስፋ’ሎ። ትጽቢት ንግዜ

ድሃይ ‘ባባ’ እባ ….?!

ኣሚኑ ክናዋሕ ከኣ ባህሪያዊ እዩ። ወለዲ መንእሰይ ምስግና ጸጋይ ድሮ ናይቲ ብኣካል ካብ ዝፍለዮም ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዘቑጸረ ወዶም፡ ድሃይ ዝህቦም ሰብ ብጭቡጥ ክሳብ ዝረኽቡ፡ እነሆ ነዚ ግዜ ‘ብሎሚ’ዶ ጽባሕ ድሃይ ወድና ንረክብ’ እናበሉ ብሰንፈላል ይሓልፍዎ።ኣዲኡ ወ/ሮ ሄዋን ማሉ ባህታ፦ “ኣብ’ቲ ፈለማ እዋን ድሃዩ ክንረክብ

ብዙሕ ጽዒርና። ግን..እቲ ሓዲኡ እንፈልጠሉ መዓልቲ ግዲ ዘይኣኸለ እነሀና ንጽበ። ክሳብ ክንድዚ ዓመታት ብዘይ ደሃይ ምጽናሕና እንሓንሳብ ተስፋ ንቖርጽ’ሞ ኣንታ ኣምላኽ ንብል” ይብላ’ሞ፡ ነቲ ሕጂ ‘ሓዲኡ ክንፈልጥ’ ብምባል ናብ ፎርቶ - ኣስመራ ዘደየበን ጉዳይ ግን፡ እቲ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዝተኸስተ ካብ’ቶም ኣብ ወጽኢ ዝቕመጡ ደቂ ወደን ክለዓል ዝጀመረ ሕቶ ምዃኑ የብርሃ። በዓል-ቤተን ኣቶ ጸጋይ መሓሪ ብወገኖም፡

“ንሕና ወለዲ ክሳብ ሓዲኡ ንፈልጥ ብተስፋ ክንጽበ መሪጽና ኔርና። ናይ’ዞም ድሮ ኣኺሎም ድሃይ ኣቦኦም ክሓቱ ዝጀመሩ ቆልዑ ግን፡ ነቲ ናይ ምስግና ወድና ድሃይ ምንዳይ መሊሱ ኣበራቢሩ ንጭንቀትና ኣብኢስዎ።” ኢሎም ዝን በሉ።“እስከ ካብ መጀምርታ ብዛዕባ

ምስግና ውድኹም ኣዕሉሉና?” ክንብል ምስሓተትናዮም፡ ክልቲኦም ወለዲ ካብ’ቲ ዝደነንዎ ንብዓት ምስ ዝቛጸረ ኣዒንቶም ቅንዕ በሉ’ሞ ናብ’ቲ ንዊሕ ዛንታ ምስግና ወዶም ኣስገሩና።

***መንእሰይ ምስግና ጸጋይ ብ1975 እዩ ኣብ

ኣኽሪያ ከባቢ እንዳ ዓሊ በኺት ተወሊዱ ዓብዩ። ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ስምረት ኣኽርያ ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ፡ ዝያዳ ኩሎም ኣሕዋቱ ንቑሕን ሓርኮትኮት በሃልን ምንባሩ ወለዱ ዝገለጽዎ ምስግና፣ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ኣርባዕተ ኣስመራ ዛዚሙ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደ መድህን ከምዝተኸታተለ ይሕብሩ።ኣዲኡ ወይዘሮ ሄዋን፣ “ምስግና ወደይ

ሳልሳይ መትሎ’ዩ። ገና ብንኡሽቶኡ ንገዛይ ክሕግዝየ በሃሊ ብምንባሩ፡ ምስቲ ሕዉስን ንጡፍን ጠባዩ ካብ ገዛና ሓሊፉ ብጎረባብቲ ይኹን ኣዕሩኽቱ ፍቱው እዩ ነይሩ።” ኢለን። ወላዲኡ ኣቶ ጸጋይ ተቐቢሎም፡“ብፍላይ እቲ ምስ ጎበዘ ጎድኒ-ጎድኒ

ትምህርቱ ስራሕ ከየማረጸ፡ ሓንሳብ እናዞረ ይሸቓቕጥ፡ ሓንሳብ ናይ ጉልበት ከም

ናይ ህንጻ ስራሕ ይሰርሕ። በቃ ክሰርሕ’ሞ ስድራይ ክሕግዝ’የ በሃላይ እዩ ነይሩ…። ትምህርቱ ምስ ወደአ ከኣ፡ ከም’ቶም ኣሕዋቱ ሃገራዊ ግብኡ ክፍጽም ኣብ ሻብዓይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ወሪዱ። ዓባይ ሓብቱ ምሕረት’ውን ኣብ 7ይ ዙርያ እያ ወሪዳ። ሚካኤል ወደይ እውን ቅድሚኦም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ እዩ ተዓሊሙ። እቲ ምንኣስ ኩሎም ሙሉጌታ ከኣ ኣብ 15 ዙርያ ኣርኪቡ ማለት’ዩ” ይብሉ።መንእሰይ ምስግና ታዕሊሙ ምስ ወደአ፡

ፈለማ ናብ ሓይሊ ባሕሪ፡ ድሒሩ ናብ በለዛ እዩ ተወዚዑ ግቡእ ሃገራዊ ግብኡ ዝፍጽም ዝነበረ።“ኣብ መወዳእታ ተጣይሱ ተመሊሱና።

እቲ ሓርኮትኮት እናበልካ ንገዛ ምውታፍ ኣይገደፎን። በቲ ንዓና ንወለዱ በቲ ነቶም ኣሕዋቱ ብዓቕሙ እናሰርሐ ኣጆኹም ኣብ ምባል እዩ ኣትዩ።” ይዝክራ ወ/ሮ ሄዋን።መንእሰይ ምስግና፡ ኣብቲ ፈለማ ኣብ

ሸቐጥ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ትካል እንዳ መዐደሊ ነዳዲ ከም ሰራሕተኛ ተቖጺሩ ይሰርሕ ምንባሩን፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ኣብ ከባቢ ማይ ተመናይ ሓንቲ ቤት መስተ፡ ማለት እንዳ ባር ተኻርዩ ኩነታት መነባብሮ ገዝኡ ከማሓይሽ ጀሚሩ ምንባሩን እዮም ወለዱ ዝሕብሩ። ኮነ ከኣ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ እታ

ዘይትተርፍ ኩሉ ወላዲ ንዝኣኸለ ውላዱ ዝሓታ ናይ መርዓ ሕቶ ተቐላቐለት።ነዚ ብምዝካር ኣቶ ጸጋይ፡ “ንሕና

ብውሽጥና ንሓስቦ’ኳ እንተነበርና፡ ንሱ ግን ሃንደበት ምስ ሓንቲ ዝፈተዋ ጎርዞ ድሮ ሌላ ከምዝጀመረን ንሓዳርን ቁውም ነገርን ከምዝተበገሰን ኣበሰረና። ንሓሳቡ ሓንጎፋይ ኢልና ተቐበልናዮ። ኣብ ወርሒ ኣርባዕተ 2001 ከኣ ምስ’ታ ባዕሉ ዝመረጻ ይርጋኣለም ካሕሳይ ኣመርዒናዮም።” መንእሰይ ምስግና በቲ ስድራኡ

እናሓገዘ፡ በቲ ካልእ ነታ ዝመስረታ ስድራ እናመሓደረ፡ ድሕሪ ገለ እዋን በኹሪ ጓሉ ዲያና ተወልደት። ኣብ 2004 ከኣ ኬቨን ኢሎም ዝሰመዩዎ ወዲ ሰዓበ።

*** ሓዳር ምስግና ጸጋይን ይርጋኣለም

ካሕሳይን ምስ ግዜ ከምቲ ዝፈለሞ ብልሙጽ ክቕጽል ኣይተራእየን። ሃንደበት ብማዕበል ተርባጽ ‘ንወጻኢ’ እናተጸፍዐ ኣብ ማእከል ሓዳሮም ንፋስ ክኣቱ ተራእየ’ሞ፣ ይርጋኣለም ናብ’ቶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኣሕዋታ ንምኻድ ኣንቀደት። ኣባል 5ይ ዙርያን ዝተጣየሰትን ምስ ምንባራ ፓስፖርት’ውን ነይሩዋ እዩ። ንክልተ ደቃ ሒዛ ድማ ፈለማ ካብ ኣስመራ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቕነዐት። ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ፡ ጉዕዞ ስደት ኣናወሓቶ’ሞ ድሕሪ ክንደይ መስገደል፡ ናብ’ቶም ኣብ ኢንዲያናፖሊስ (ሕ.መ.ኣ) ዝቕመጡ ኣሕዋታ ከምእተጸንበረት ፈለጠ - ምስግና።መንእሰይ ምስግና ድሕሪ’ዚ ኣይቀሰነን።

በቲ ሓደ ብምፍራስ ሓዳሩ፣ በቲ ካልእ ብናፍቖት ናይቶም ገና ርእዩ ዘይጸገቦም ደቁ እናስተንተነን እናተጨነቐን ናብ ምዕጻው’ታ ተኻርዩ ዝሰርሓላ ዝነበረ ቤት-መስተ ኣተወ። ነዚ ኣመልኪቶም ወላዲኡ ኣቶ ጸጋይ፦“ንሳ ቅድሚ ንሱ ካብ’ዚ ዓዲ ምውጽኡ’ያ

ከይዳ። ብድሕሪኣ ስለዘይቀሰነ ኣብ ምስላጥ ወረቓቕቱ ኣትዩ። ‘እንታይ ደኣ ምስግና ወደይ ናይ ደሓን ደኣ?’ ምስ በልኩዎ፣ ናብ ሱዳን’የ ገለ ስራሕ እናበልኩ ክሕከም። “ሓጻር መልሲ መሊሱለይ። ኣነኳ ሽዑ ‘ኣብዚ ጽቡቕ እንዲኻ ትሰርሕ ዘለኻ…ሕክምና ካብ በልካ ግን…” ኢለዮ። ኣብ

2005 ከኣ በዚ ብኣስመራ ገይሩ ናብ ካርቱም ገይሹ።” ይብሉ ኣቶ ጸጋይ።ምስግና ንሱዳን ብዝኣተወ ንልዕሊ ዓሰርተ

ኣዋርሕ ዝኸውን ይሰርሕ ምንባሩን ኩነታት ጥዕናኡ’ውን ኣብ ጽቡቕ ምህላውን ብተሌፎን ይሕብሮም ምንባሩ እዮም ወለዱ ዝገልጹ።“ይዝከረኒ፡ ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ናይ

2006 ደዊሉ፡ ሓደ ዘይሓሰብናዮ ዘረባ ኣስመዓና። ወላዲ ውላዱ መመሊሱ ክርሕቆ ስለዘይቅበሎ፣ ንሕና ሎሚ ዶ ጽባሕ ካብ ሱዳን ምልስ ኢሉ ይርእየና እናበልና፡ ‘ሃሎው ኣደይ! . .ሃሎው ኣቦይ! ጸሎት ግበሩ ናብ ኤውሮጳ ክኸይድ ናብ ሊብያ እብገስ ኣለኹ” ኢሉ ነጊሩና…በቃ!...” ኣቦይ ጸጋይ ብዝንታ ደነኑ።ወ/ሮ ሄዋን ኣመንጕየን ነቲ ኣብታ

ዝነበርናላ ክፍሊ ዝዓሰለ ስቕታ ሰበረኦ’ሞ።“እነሀልካ ብድሕሪኣ ኣይደወለን…ካን

ካን ብኡ ኣቢሉ ድሃዩ ጠፊኦና …ናይ ነገር ወላዲ ክንቀብጽ ኣይከኣልናን። ሓዲኡ ከየጥለልካ’ሞ ከመይ ጌርካ ክቕበጽ! እነሀ ድማ እቶም ደቁ ልቢ ቋጺሮም ..ድሃይ ኣቦና ክብሉ ጀሚሮም።” ኢለን ጫፍ ነጸላአን ናብ ኣዒንተን ልኣኸኦ። ሕጂ’ውን ኣብታ ክፍሊ ስቕታ በሓተ።

ገለ ካልኢት ብዝሓለፈ ንዝቐረብናያ ሕቶ ንምውራር፦- “ ብወገን ይርጋኣለም’ ገለ ደሃይ ….”

ኢልና ሕቶና ገና ከይዛዘምናዮ፡ ኣብ ገጽ ክልቲኦም ወለዲ ክንጸባረቐ ብዝተዓዘብናዮ ናይ ጓህን ሓዘንን ከቢድ ስምዒት ሰኸኽ በልና። ለካ ንሳቶም’ውን ካብ ገጽና ዘንበብዎ

ስምዒት ነይሩ’ዩ። “ይርገኣለም ዶ ኢልካ…” በላ ወ/ሮ

ሄዋን። ክቕጽላ ግን ጎሮሮአን ኣየፍቀደን። ገጽና ናብ ኣቶ ጸጋይ ምስ መለስናዮ ከኣ ኣቶ ጸጋይ፦“እወ ይርጋኣለም…እ እቲ ፈለማ

ንኣመሪካ ዝኣተወትሉ፡ ንሳን ደቃን ምስ ኣሕዋታ ትቕመጥ ነይራ። ድሃይ ምስግና ከምዘይረኸበትን ገና ኣብ ምጥያቕ ከምዘላን ትሕብረና ኔራ።’ ምናልባት ምስ’ዞም ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለዉ ከይህሉ….ተስፋ ጥራይ ግበሩ ..ክወጽእ’ዩ’ እናበለት ተስፋ ከይንቖርጽ ተጸናናዓና ነይራ። ደቂ ወድና ማለት ዲያናን ኬቨንን ከምዝጎበዙ …ድሓን ከምዘለዉ’ውን ትገልጸልና ነይራ። ሓገዛ’ውን ኣይተፈልየናን። ክሳብ’ዚ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ድሃያ ነይሩና…ግን…” ጎሮሮ ኣቦይ ጸጋይ’ውን ኣይቀጸለን። ስቕ..ስቕ! ኣደይ ሄዋን በዓል-ቤተን ንዝጀመርዎ

ዘረባ መኸተምታ ንምግባር፦ “መሳኪን ቈልዑ ዕድል ኣይገበሩን። ድሃይ ናይ ኣቦኦም ክንረክብ እናተጸበና፣ ይርጋኣለም ሓሚማ ሰሚዕና። ኣይጸናሕናን ድማ ሃንደበት ሞታ ሰሚዕና…. ተረዲእና። ካልኣይ ቀብሪ’ውን ከይድና። ኣምላኽ ዘውረዶ ምቕባል ጥራይ’ዩ….ናይ’ዞም ቆልዑ ሕቶ ግን፡ እነሀ መሊሱ ድቃስ ከሊኡና። ሕጂ ግን፡ ሰብ ካብ ሰብ ኣይበልጽን’ዩ…ምስግና ወድና ብህይወት ኣሎ እንተ ኢሎሙና ንሕጎስ - ሞይቱ እንተኢሎሙና ከኣ ንቐብጽ። ክሳብ መኣስ ደኣ ነገራቱ ንፋስ ዓውዲ ኮይኑ ክቕጽል. . ? ክብላ’የን ዛዚመን - ወ/ሮ ሄዋን። ***

ኣብ ሕዙእን ክሕዛእ ኣብ ዝኽእልን ቦታታት፡ ወይ’ውን ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲን ትካላትን ስሩዕ ምግራብ ክካየድ፡ ሕብረተ-ሰብ ድማ ኣብ ምትካል ከይተወሰነ ኣብ ሓለዋ ዝያዳ ኣበርክቶኡ ክዓዝዝ ከምዝግበኦ እቲ መጽናዕቲ ዝፈተሾ ሸነኽ’ዩ። ብመሰረት ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ዝሰፈረ

ለበዋ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ሕዙእ ቦታታት ብሕብረተ-ሰብን ተማሃሮን፡ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ብኣባላት ሓምላይ ክለባት ውጽኢታዊ ስርሓት ይፍጸም ከምዘሎ ይእመን። ሓምላይ ክለባት ኣካል ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ’የን። እዚ መደብ’ዚ፡ ተማሃሮ ካብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቶም ጀሚሮም ኣብ ቀረባ ከባቢኦም ዝገብርዎ ንጥፈታት’ዩ። እዚ፡ ተማሃሮ፡ ንዝሰርሕዎ ብቐረባ ክከታተልዎን ክከናኸንዎን ዕድል ዝፈጥር’ዩ። ድሕሪ’ዚ መጽናዕቲ፡ በዚ መደብ ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓትን ሓምላይ ክለባትን (Green clubs) ኣብ 500 ዝበጽሓ

ምትካልን ምክንኻንን ...ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተተኽሉ ፈልስታት 95 ሚእታዊት ከምዝጸደቑ፡ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣነጺርዎ ኣሎ። እዚ ድማ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ሓጹርን ሓለዋን ዘለወን ብምዃነን ዝተረኽበ ውጽኢት’ዩ። ስለዚዀነ ድማ፡ ተራ መጽናዕቲ

ኣብ ባይታ ናይ ዝተፈጸሙ ንጥፈታት፡ ንዝረኣዩን ዝኽሰቱን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ፡ ንምዕባልኡ ኣብ ምስራሕን መደባት ኣብ ምትግባርን ሓጋዚ’ዩ። መጽናዕቲ፡ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልኦትን ምስንኻል ብዘይፈጥር ኣገባብ ብውሑድ ባጀት ዓበይቲ ስርሓት ንምፍጻም ባብ ዝኸፍት’ዩ። ብኣውራኡ እዚ ወፍሪ’ዚ፡ እኹል ግዜ ተዋሂብዎ ብመጽናዕቲ ክስነ ዝግበኦ ዝዓበየ ሃገራዊ መደብ’ዩ።

መም፡ ኢዮብ ርእሶምህ/ርክባት ሚ/ት

ካብ 2ይ ገጽ ዝቐጸለ

Page 8: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 8መበል 26 ዓመት ቁ.3

n

ሳሮን ሰርጹ ናይ ዘበንና ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ እቲ ቀዳማይ ኣህጉራዊ መድረኽ ኰይኑ፡ ናይ ሓጋይን ክረምትን ተባሂሉ ዝተፈለየ’ዩ። እዚ ኣሽሓት ስፖርታውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸወታታት ዘሳትፍ መድረኽ፡ ልዕሊ 200 ሃገራት ይሳተፍኦ። ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ውድድር’ዩ። ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ ካብ ሻሙናይ

ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ ኣትሒዙ ክሳብ ራብዓይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ.፡ ኣብ ሃገረ ግሪኽ፡ ኦሎምፒያ ኣብ ዝተባለት ከተማ ብዝካየድ ዝነበረ ጸወታታት ተተባቢዑ ከምዝጀመረ ይንገር። ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ ብፔረ ደ

ኮበርተን ዝተባህለ ፈረንሳዊ ኣብ 1894 ከምዝተጀመረ ይፍለጥ። ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ ናይ’ዚ ውድድር’ዚ ቀዳማይ ተጸዋዕን ኣካያድን ኰይኑ፡ ንስልጣኑን ቅርጹን ዝገልጽ ንጹር ቅዋም ኣለዎ። እዚ ኮሚቴ’ዚ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ካልእ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለታት እናደለበ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ’ቲ ኮበርተን ዝመስረቶ ተልመደን ትካል፡ ናብ ኣዝዩ ዓቢን ጸላውን ትካል ተቐይሩ ይርከብ።ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ ብሰንኪ

ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም፡ ኣብ 1916፡ 1940፡ 1944 ተሰሪዙ’ዩ። ሳዕቤን ዝሑል ኩናት’ውን ንናይ 1980ን 1984 ጸወታታትን ኦሎምፒክ ብውሑድ ተሳታፍነት ከምዝካየድ ገይሩዎ’ዩ።ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ ኣብ

ትሕቲኡ ኣህጉራውያን ፈደረሽናትን ሃገራውያን ናይ ኦሎምፒክ ኮሚቴታትን ሓቚፉ ይርከብ። ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዕማም ኣህጉራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ፡ ኣአንጋዲት ከተማ ምምራጽ’ዩ። እታ ዝተመርጸት ከተማ ድማ፡ ከም ቅዋም ኦሎምፒክ፡ ነቲ ውድድር ተአንግዶን

ኦሎምፒክትምውሎን።ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ብድምር

ናይ ሓጋይን ክረምትን ጸወታታት ምዃኑ’ዩ፡ ልዕሊ 13 ሽሕ ኣትለታት ኣብ 33 ጸወታታት የሳትፍ።ኣብ ሓምሻይን ሻድሻይን ዓመት

ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝነበሮ ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ጸኒሑ ግን ምስ ምትንሳእ ሮማውያን ኣገዳስነቱ ክጎድል ጀመሩ። ካብ 1821 ንድሓር ግና፡ ምስ ምጅማር ኰናት ግሪኽ ንናጽነት፡ ግሪኻውያን ነቲ ጸወታ ከበራብርዎ ተበግሶ ወሰዱ። ግሪኻዊ ኢቫንጀሎስ ዛፓስ፡ ኣብ’ቲ

ግዜ’ቲ ንጉስ ግሪኽ ንዝነበረ ኦቶ፡ ነቲ ጸወታ መዊሉ ንዘልኣለም ከበራብሮ ከምዝደሊ ዝሕብር መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ዛፓስ ዝመወሎ ውድድር ኦሎምፒክ፡ ኣብ 1859 ኣብ ግሪኽ ከተማ ኣቴንስ ተኻየደ። ብተወሳኺ፡ “ዛፓስ ፓናተኒያክ” ዝተባህለ ስታድዩም ሃነጸ። እዚ ስታድዩም’ዚ፡ ነቲ ኣብ 1870 ን 1875 ን ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ኣአንገደ። ነቲ ናይ 1870 ውድድር፡ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ተዓዘብዎ።መስራቲ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ

(ኣይ.ኦ.ሲ) ዝዀነ ኮበርተን፡ ኣብ’ቲ ናይ 1890 ውድድር ተሳተፈ’ሞ፡ ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ ኣህጉራዊ ኮሚተ መስሪትካ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝዘውር ውድድር ክህሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣበገሰ። ኣብ ኦሎምፒክ፡ ከም ሆንግኮንግ፡ ፖርቶሪኮ ዝኣመሰላ ግዝኣታት፡ ከም ሃገር ተወኪለን ይሳተፋ። ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ንቐዳማይ፡

ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ዝወጹ ኣትለታት፡ ናይ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን፡ መዳልያታት ሽልማት ይወሃብ። እዚ ንሰለስተ ዕዉታት ዝውሃብ መዳልያታት፡ ኣብ

ኦሎምፒክ 1904’ዩ ተኣታትዩ። ካብ 1948 ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ንራብዓይን፡ ሓምሻይን፡ ሻድሻይን ደረጃ ዝሓዙ ተወዳደርቲ ሰርቲፊኬት ይወሃብ ኣሎ። እዚ ሰርቲፊኬት’ዚ፡ “ናይ ዓወት ምስክር ወረቐት’’ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ካብ 1984 ኣትሒዙ፡ ንሻቡዓይን ሻሙናይን ደረጃ ዝሓዙ ተወዳደርቲ ክወሃብ ጀሚሩ።ኣኣንጋዲት ሃገር፡ ቅድሚ ሸውዓት ወይ

ሸሞንተ ዓመት’ያ ትፍለጥ። መስርሕ መረጻ ክልተ ዓመት ዝወስድ ኰይኑ፡ ኣብ ክልተ ገጽ ዝኽፈል መስርሕ ኣለዎ። ንናይ ሪዮ ኦሎምፒክ 2016 ሓዊስካ፡ ውድድር ኦሎምፒክ ኣብ 44 ከተማታት ናይ 23 ሃገራት ተኻይዱ ኣሎ። ከተማ ሪዮ፡ ነዚ ውድድር ከተአንግድ ዝበቕዐት ናይ መጀመሪያ ደቡብ ኣሜሪካዊት ከተማ’ያ። ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ነዚ ውድድር ከተአንግድ ኣይበቕዐትን ዘላ።ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ

ውድድር’ዚ ሸሞንተ ግዜ ብምእንጋዳ፡ ዝለዓለ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት ዘአንገደት ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ። ከተማ ለንደን፡ ሰለስተ ግዜ ነዚ ውድድር ብምእንጋዳ ዝለዓለ ውድድር ኦሎምፒክ ዘአንገደት ከተማ ይገብራ።

ዓርቢ፡ ኣብ ‘ዘበነ ኣረሜንነት’፡ እታ ዕድለኛ መዓልቲ ናይ ሰሙን ትቑጸር ነበረት። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ፡ እታ መዓልቲ፡ በታ ናይ ፍቕሪን ጽቡቕ ዕድልን ኣርማ ትግለጽ ፕላኔት ቬኑስ ትእመን ስለዝነበረት’ዩ። ብቛንቋ እንግሊዘኛ፡ “Friday”

ዝብል ስም ንኽብሪ ፍረያ (freya) ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ ዝወጸ’ዩ። ንሳ፡ ኸም ኣምላኽ ፍቕሪ’ያ ትሕሰብ ዝነበረት።መርከበኛታት፡ ንዘበናት ኣብ

ዓርቢ ክጓዓዙ ይመርጹ ኣይነበሩን። ነዚ እምነት’ዚ ንምስባር፡ ሚኒስትሪ ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓደ ተበግሶ ወሰደ። ሓንቲ መርከብ ቁልቁል ኣፋ ተተኽለት’ሞ፡ “H.M.S. Friday” ሰመይዋ። እዛ መርከብ’ዚኣ ብካፕቴን ጄምስ ፍራይደይ እናተመርሐት ጉዕዞኣ ኣብ ዓርቢ ጀመረት። ብድሕሪኡ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዛዕባ’ዛ መርከብ ዝተሰምዐ ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ከምዘየለ ይግለጽ። ብዛዕባ’ቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኣባላት’ውን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።ኣብ ኤውሮጳ፡ ክሳብ መጀመርያ

20 ክፍለ ዘመን፡ ጉዕዞ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

‘ዓርቢ’ ኣብ ዘመነ ኣረሜንነት

መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ማእከል ከተማ ለንደን ዝተደኰነ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዓባይ ብሪጣንያ’ዩ። ሂትሮው፡ ብጻዕቂ ተሳፈርቱ ኣብ ዓለም ሓምሻይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ዝለዓለ ቁጽሪ ኣህጉራውያን ገየሽቲ’ውን ይሕዝ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ’ውን፡ ሂትሮው ዝለዓለ ጻዕቂ ስራሕ ይረኣየሉ። ስታስቲካዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብዘአንግዶ ብዝሒ ገየሽቲ መወዳድርቲ የብሉን።ሂትሮው፡ ካብ ማእከል ለንደን ንሸነኽ

ምዕራብ 22 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ። ክልተ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ዝኸዱ ተመሳሰልቲ መዕለቢ ነፈርቲ ኣለዎ።ሂትሮው፡ ካብቶም ንኸተማ ለንደን

ዘገልግሉ ሸውዓተ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ’ዩ። ቅድሚ ኣብ 1930 በረራ

መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮውምጅማሩ፡ ሂትሮው ንእሽቶይ ቁሸት’ዩ ዝነበረ። ኣብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም በረራ ምስ ጀመረ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ሂትሮው ናብ ወተሃደራዊ መዓልቦ ነፈርቲ ተቐየረ። ኣብ 1943፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኣተወ። ብ1944 ድማ ምስራሕ ናይ መዕለቢ ኣየር ተጀመረ። ኣብ ጥሪ 1946 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሲቭል ኣቭየሽን ኣተወ። ብድሕሪ’ዚ፡ ናይ መጀመሪያ ሲቪላዊ በረራ ፈለመ። ኣብ ግንቦት 1946 ከኣ፡ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ’ዚ፡ ንሲቪላዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ምሉእ ብምሉእ ተኸፍተ።ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ሂትሮው ንልዕሊ

90 መገዲ ኣየር ኣገልግሎት ይህብ። ዓመታዊ ኣስታት 67 ሚልዮን ተሳፈርቲ ኣለውዎ። ካብዚኦም፡ 11% ናብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 43% ናይ ሓጺር ጉዕዞ ኣህጉራውያን ተሳፈርቲ፡ ዝተረፉ 46% ናይ ነዊሕ ግዕዞ ተሳፈርቲ’ዮም።

“መን ብብዝሒ ይዛረብ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ብዝሒ ዘረባ፡ ምስ ህላውነት ‘ፎክስፒ2’ (foxp2) ዝተባህለ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ ፕሮቲን ከምዝምርኮስ ይገልጽ። ካብ ኣሽሓት ዓመታት ኣትሒዙ

ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ኣወዳዲርካ ኣብ ዝርርብ ብዙሕ ዝድነቑ ኣይኰኑን። ካብ 4-5 ዝዕድሜኦም ህጻናት ኣብ

ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ‘ፎክስፒ2’ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ብኣስታት 30% ዛይዱ ከም ዝተረኽበ ይግለጽ። እዚ ከኣ፡ ነተን ደቂ-ኣንስትዮ ህጻናት ልዕሊ መዛኑአን ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝዛረባ ይገብረን። ኣብ ዩንቨርሲቲ ሜሪላንድ

ዝርከብ ተመራማሪ ሚካኤል ቦወርስ ከምዝሕብሮ፡ እዚ መጽናዕቲ’ዚ፡ ኣብ ኣዕዋፍ’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ከም ዝተረኽቦ ይሕብር።

ስለምንታይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ-ተባዕትዮ ይዛረባ?ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ህጻን፡

ቅድሚ’ቲ መዘናኣ ወዲ-ተባዕታይ፡ ብድምጽን ምልክትን ክትረዳዳእ ትፍትን። ዕድመ እናወሰኸት ኣብ ትኸደሉ እዋን ድማ፡ ልዕሊ መዘናአ ወዲ-ተባዕታይ ትዛረብ። ዶክተር ሎኣን ብሪዘንዮን፡ ኣብታ “ሓንጎል ጓለንስተይቲ’’ እትብል መጽሓፉ፡ ሓንቲ

ጓል ኣንስተይቲ ብገምጋም ልዕሊ 20 ሽሕ ቃላት ንመዓልቲ ትዛረብ። እዚ፡ ምስ ወዲ-ተባዕታይ ኣነጻጺርካ ክርአ እንከሎ፡ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ምዃኑ’ዩ። ዶክተር ሎኣንስ ቀጺላ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ደቂ-ተባዕትዮ ዝበዝሐ ናይ ሓንጎል ዋህዮታተን ንዘረባ ይውፍያ።

Page 9: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 9መበል 26 ዓመት ቁ.3

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

ዓምበርበብ ገፊሕ ዓወት ኣመዝጊባትማሊ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ

ዝተኻየደ ፈላሚ ጸወታ ውድድር ኵዕሶ ሰኪዔት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 2016፡ ዓምበርበብ ንንስሪ 53ብ7 ብገፊሕ ረቲዓታ፣ኣብቲ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ

ተዓዘብቲ ዝተረኽብዎ ረፍዲ፡ ተጻወትቲ

ደቂ ኣንስትዮ ዓምበርበብ ካብ ፈለማ ናይቲ ውድድር እየን ጸብለል ክብላን ብቐሊሉ ሸቶ ከመዝግባን ተራእየን፣ በዚ ድማ ምስ መዛኑአን ንስሪ ዘለወን ብቕዓትን ጸብለልታ ጸወታን ድማ ኣዝዩ ዓቢ ጋግ ተራእይዎ፣ድሕሪ እዚ ግጥም ደቂ ኣንስትዮ፡

ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ሳዋን ሓሬናን እየን ናብ ሜዳ ዝወረዳ፣ ሳዋ ድማ 48ብ35 ተዓዊታ፣ሳልሳይ ግጥም ናይቲ ዕለት ኣብ መነጎ

ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ መኸተን በኒፈርን እዩ ተሰሪዑ፣ እዚ ግጥም’ዚ ካብቲ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ዝሓሸ ተወዳዳርነት ከምኡ እውን ሚዛናዊ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ፣ እቲ ግጥም ኣዛናዩ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ክሳብ መወዳእታ ፊስካ ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ ነበረ፣ መኸተ ድማ ብጸቢብ 61ብ60 ብምዕዋት ኣብቲ ናይ ፈለማ ውድድር ምቁር ዓወት ከተመዝግብ ክኢላ፣ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ስፖርታዊ

ንጥፈታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ ብጸወታታት ኵዕሶ መርበብን ኵዕሶ እግሪን ክቕጽል እዩ፣ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ክካየድ መደብ ዝተታሕዘሉ ግጥም ኵዕሶ መርበብ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ንብድሆን ዓምበርብን፥ ኣብ ግጥም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ንመኸተን ሳዋን ከምኡ ድማ ሓሬናን ሽዑላን ከራኽብ እዩ፣ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ

ዓምበርበብ ምስ ሰንጥቕ ዘካይዳኦ ግጥም ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ሜዳ ስታድዩም ከረን ከአንግዶ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ፣

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ምስታ ክለብ ንዘለዎም ውዕል ምንውሖም ክለቦም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣፍሊጣ፣ በዚ ድማ እዞም ተቐዳደምቲ ኪንዮ 2016 ምስታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ክጸንሑ’ዮም፣ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ክለቡ ዳይመንሽን

ዳታ ኣብ ቮልታ እስጳኛ ተጸሚዱ ዝርከብ ወዲ 22 ዓመት መርሃዊ ቅዱስ፡ ንራብዓይ ግዚኡ እዩ ኣብ ውድድራት ግራንድ ቱር ዝጽመድ ዘሎ፣ ነተን ከበድቲ ውድድራት ዝፈጸመ መርሃዊ፡ ናይ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ከምዝጽዕት ምግላጹ እውን ክለቡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ፣ናይ ቅድም ሻምፕዮን ኤርትራ

ናትናኤል ብርሃነ፡ እቲ ኣብ ኤውሮጳዊ

መድረኻት ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ እዩ - ኣብ 2013 ኣብ ፕረዚደንሻል ቱር ቱርኪ፣ ኣብዚ

ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ደ ፍራንስ፡ ኣብ ናይ ዓቐብ ዕዮ ተሓጋጋዚ ኮይኑ ዝሰርሐ ናትናኤል፡ ኣብ ዝስዕብ ጸወታታት ናይታ ክለብ ኣድማዒ ስራሕ ናይ ምዕያይ ዓቕሚ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ፣ብዘይካ ናትናኤልን መርሃዊን፡ ደቡብ

ኣፍሪቃውያን ጀንስ ቫን ረዘንበርግን ኒክ ዱጋልን እውን ውዕሎም ዘናውሑ ተቐዳደምቲ ናይታ ጋንታ እዮም፣

መደብ ግራስ ሩት ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ተዛዚሙ

ሰለስተ መድረኻት ዝሸፈነ ቅድድም ብሽግለታ “ግራስ ሩት” ዞባ ማእከል ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ብዝተኻየደ ውድድር ምዝዛሙ ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ኣፍሊጡ፣ኣብ ክሊ ዕድመ 16 -17፡ ብ19

ውህሉል ነጥቢ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወት እንከላ፡ ንኡሳን ዞባታት ጎዳይፍን ገጀረትን ከኣ ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን፣ ኣብ’ዚ ክሊ ዕድመ ብውልቂ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጹ ሚልዮን ምሕረተኣብ ካብ ገጀረት፡ ፊልሞን ቦኽረጽየን ካብ ጎዳይፍ፡ ከምኡ ድማ ዮውሃንስ ተስፋይ ካብ ጋላ ነፍሒ እዮም፣ደቀ ኣንስትዮ ምምሕዳር ንኡስ

ዞባ ገጀረት፡ ብ22 ነጥቢ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ጋላ ነፍሒ ብ16 ነጥቢ ካልአይቲ፥ በሪኽ ድማ ብ11 ነጥቢ ሳልሰይቲ ኮይና፣ ናይ ጋንታ ገጀረት ተቐዳዳሚት ኤደን ተስፋሚካኤል ብ15 ነጥቢ ቀዳመይቲ ክትወጽእ

እንከላ፡ ኣርሴማ ምስግና ካብ ጋላ ነፍሒ ከምኡ ድማ ወለንሳ ተስፉ ካብ በሪኽ ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን፣ኣብ ክሊ ዕድመ 13-14፡ ብ31

ውህሉል ነጥቢ ንኡስ ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ ቀዳመይቲ፥ ብ11 ነጥቢ ንኡስ ዞባ ቲራቨሎ ካልኣይቲ ከምኡ ድማ ብ10 ነጥቢ ንኡስ ዞባ ገጀረት ሳልሰይቲ ኮይነን ፣ ኣብ’ዚ ክሊ ዕድመ፡ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ኒምሮድ ብንያም ካብ ዕዳጋ ሓሙስ፥ ፋንኤል ሓይልኣብ ካብ ገጀረትን መዋእል ብርሃነ - ካብ ዕዳጋ ሓሙስን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም፣ንኡሳን ዞባታት ዞባ ማእከል፡ ተካእቲ

ኣብ ምምልማል ከምዝሰርሓ ይፍለጥ፣ ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክረምቲ ዝምልምላኦም ትስፍዋት መንእሰያት ተቐዳደምቲ ድማ ኣሰር ንኡሳን ምምሕዳራት ጋላ ነፍሕን በሪኽን ስዒበን ኣብ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ዞባ ማእከል ኣመዝጊበን ኣብ ውድድር ክጸምዳኦም ድማ ለበዋ ፈደረሽን ቅድድም ብሽግለታ ዞባ ማእከል እዩ፣

ጃንሉጂ ዶናሩማና . . .ፈረንሳ ንኢጣልያ 3ብ1 ኣብ

ዝሰዓረትሉ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ግጥም ምሕዝነት ኵዕሶ እግሪ፡ ኢጣልያዊ ጃንሉጂ ዶናሩማ ኣብ 17 ዓመቱ ብምስላፉ ‘ዝንኣሰ ሓላዊ ልዳት ኢጣልያ’ ብዝብል ክብረወሰን ጨቢጡ፣እቲ ወዲ 17 ዓመት ተጻዋታይ ክለብ

ኤሲ ሚላን፡ ጋንታኡ 2ብ1 ድሕሪ ምምርሓ እዩ ንቦታ ናይቲ ገዲም ሓላዊ ልዳት ጃንሉጂ ቡፎን ብምትካእ ነቲ ክብረወሰን ክሕዝ ዝኸኣለ፣ ወዲ 38 ዓመቲ ቡፎን፡ 29 ጥቅምቲ 1997 ፈላሚ ኣህጉራዊ ጸወታኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ዶናሩማ ካብ ዝውለድ 484 መዓልታት ኣቑጺሩ ነይሩ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ነዊሕ

ዓመታት ዝተጻወተ ቡፎን፡ ኣብ 162 ግጥማት ተሰሊፉ፣ ልዕሊ 19 ዓመታት ምስ ኢጣልያ ዝተጻወተ ቡፎን፡ ኣብ 2006 ዋንጫ ዓለም ምልዓሉ ይዝከር፣

መሲ ናብ ጸወታ ተመሊሱሃይለ ዳንኤል

ዜና ብሓጺሩ

ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም፡ ሊዮነል መሲ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ዳግማይ ብምምላሱ ኣርእስቲ ሰሪሑ፣ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣንጻር

ኡራጓይ ዘካየደቶ ግጥም፡ መሲ ንጋንታኡ ክመርሕ እዩ ተራእዩ፣ እታ ንሓድሽ ኣሰልጣኒ ኤድጋርዶ ቦዛ

ዝቖጸረት ጋንታ፡ ኣብ ሓያለ ደቓይቕ ናይ ቀዳማይ እብረ ኣብ ዘካየደቶ ቅልስ ንጸወታ ብምዕብላል ንልዳት ኡራጓይ ብተደጋጋሚ ክትኩሕኩሕ እኳ እንተራእየት ንሓላዊ ልዳት

ኡራጓይ ፈርናንዶ ሙሰረላ እትሓልፍ ኵዕሶ ግና ኣይተራእየትን፣ኣብ ካልኣይ እብረ፡ መሲ፡ ካብ ኣስታት 30

ሜትሮ ዝቐልዓ ንተኸላኻላይ ኡራጓይ ጂመነስ ተንኪፋ ኣንፈታ ብምቕያር ኣብ ሰኪዔት እተራእየት ኵዕሶ፡ ኣርጀንቲና 1ብ0 መሪሓ ንዕረፍቲ ክትወጽእ ኣኽኣለት፣ እታ ሸቶ ድማ ንመሲ መበል 56 ኮይና ተመዝገበትሉ፣ ኣብቲ ኣጥቃዓይ ክለብ ጁቬንቱስ

ኣርጀንቲናዊ ፓውሎ ዲባላ ብኽልተ ብጫ ካርድ ካብ ሜዳ ዝተባረረሉ ግጥም ተወሳኺ ሸቶ ኣይተራእዮን፣ኡራጓይ ብኣጥቃዕቲ ሉዊስ ስዋረዝን ኤዲሰን

ካቫኒን እናተቐለሰት ብርክት ዝበላ ፈተነታት እኳ እንተኣካየደት ንመስመር ምክልኻል ኣርጀንቲና ሓሊፋ ሸቶ ከተመዝግብ ግን ኣይከኣለትን፣ኣሰልጣኒ ናይታ ብዘይ ብሉጻት ኣጥቃዕታ

ሰርጅዮ ኣጉዌሮን ጎንዛሎ ሂጉዌንን ዝተጻወተት ኣርጀንቲና ዝኾነ ኤድጋርዶ ቦዛ፡ መሲ በዓል ውዕለት ናይታ ጋንታ ምዃኑ ድሕሪ እቲ ግጥም ገሊጹ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብራዚል ንኤኳዶር

3ብ0 ክትረትዓ እንከላ፡ ሻምፕዮን ሃገራት ኣመሪካ ዝኾነት ቺለ ድማ ብፓራጓይ 2-1 ተረቲዓ፣

+ ፈረንሳዊ ኣከፋፋሊ ንጎሎ ካንተ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ካብ ሻምፕዮን ሌስተር ናብ ቸልሲ ምስግጋሩ ይፍለጥ፣ እዚ ተጻዋታይ’ዚ፡ ቅድሚ ናብ ቸልሲ ምስግጋሩ፡ ዓላሚ ማን ዩናይትድ - ሞሪኖ ናብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ ከሰጋግሮ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዝገበረሉ ተዛሪቡ፣ “ሞሪኖ ምስ ደወለለይ - ተገሪመ እየ፣ ንሱ፡ ናብ ማን ዩናይትድ ምስ ዝሰጋገር ንዝህልወኒ ብልጫን ካልእን ድማ ገሊጹለይ፣ ፈለማ ተማቲአ ነይረ፣ ቸልሲ ዶ ማን ዩናይትድ ብምባል፣ ምስ ኣሰልጣኒ ንቸልሲ ኮንተ ንዘካየድክዎ ዝርርብ ብምዝካር ድማ ስታንፎርድ ብሪጅ መሪጸ” ይብል እቲ 25 ዓመት ፈረንሳዊ፣ ኣብ ለንደን ክቕመጥ ዝጀመረ ካንተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ምስ ቸልሲ ብምስላፍ እታ ክለብ ምሉእ ዓወት ንኸተመዝግብ ዓቢ እጃም ክገብር ክኢሉ እዩ፣

+ ተጻወትቲ ሌስተር ሲቲ ካብ ወነንቲ ክለቦም ዝተዋህባኦም ሓደ ዓይነት ዝሕብረን ማካይን፡ ኣብ ምልላይ ብምጽጋሞም ኣስታት ክልተ ሽሕ ፓውንድ ወጻኢታት ብምግባር ካልእ ሕብሪ ከልክዩ ምጅማሮም ተሓቢሩ፣ እቶም ሰብ ጸጋ ወነነቲ ሌስተር ሲቲ፡ ዘውዲ ፕሪመር ሊግ

እንግሊዝ ንዝዓተሩ 19 ተጻወትቶም ንነፍስ ወከፎም ዋጋ 105 ሽሕ ፓውንድ BMW I8 ዝዓይነተን ማካይን ምሽላሞም ይዝከር፣ ኩለን እተን መካይን ድማ ሰማያዊ ሕብረን ብምዃነን እቶም ተጻወትቲ ኣብ ምልላይ ብምጽጋሞም’ዮም ሕብሪ ክቕይሩ ዝተገደዱ፣

+ ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ቦርንማውዝ ዝተሰጋገረ ጃክ ዊልሸር፡ ኣብታ ሓዳስ ክለቡ ዝነኣድ ብቕዓት ብምርኣይ ናብ ኣርሰናል ከምዝምለስ ኣረዲኡ፣ ብተደጋጋሚ ብማህሰይቲ ካብ ጸወታ ክቦኩር ዝተገደደ ዊልሸር፡ ምስ ምምጻእ ሻካ ካብ ቦሩስያ ዶርትመንድ ከምኡ ድማ መሓመድ ኤልነንይ ካብ ባሰል ኣገዳነቱ ብምንካዩ እዩ ካልእ መገዲ ሃሰው ክብል ዝተገደደ፣

+ ንፖግባ ክብረወሰን መሸጣ ተጻወትቲ ዓለም ብዝሓዘ መጠን ገንዘብ ካብ ጁቬ ናብ ማን ዩናይትድ ዘሰጋገረ ዓላሚ ማን ዩናይትድ ሞሪኖ፡ ኣብ 2017 ኣብ ዝኽፈት መስኮት ምስግጋር ተጻወትቲ ንኣንቶኒ ግሬዝማን ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ንምፍራም ካብ ካሎሚ ከምዝጽዕር ንባችለር ሪፖርት ንዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢሩ፣

+ ኣከፋፋሊ ማን. ዩናይትድ ሄንሪክ ምኺታርያን ብረቡዕ ሃገሩ ኣርሜንያ

ብቼክ 3ብ0 ኣብ ዝተሰዓረትሉ ግጥም ተሃስዩ፣ እቲ ተጻዋታይ ማን ዩናይትድ፡ ዋላ’ኳ ማህሰይቱ ኣብ ፈለማ ጽኑዕ እንተመሰለ፡ ድሒሩ ድሕሪ ዝተኻየደሉ መርመራ ግና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ጸወታ ከምዝምለስ ተሓቢሩ፣ ገለ ገለ መራኸቢ ብዙሃን፡ ሚኺታርያን ነቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ግጥም ደርቢ ምስ ማን. ሲቲ ናይ ምርካቡ ተኽእሎ ፍርቂ ፍርቂ ምህላዉ ይግለጻ፣

+ ጀርመናዊ ኣከፋፋሊ ማን. ዩናይትድ ባስቲያን ሽወይንስታይገር፡ ንኣሰልጣኒ ክለቡ ሞሪኖ ክምስጥ ብዘይምኽኣሉ ኣብታ ጋንታ ዝጸንሖ ኣበርክቶ ተደሪቱ ኣሎ፣ እቲ ተጻዋታይ ናብ ካልእ ክለብ ናይ ምስግጋር መደቡ ኣወንዚፉ ኣብታ ክለብ ክቕጽል ብምውሳኑ ድማ ንብዙሓት ኣርሚሙ ይርከብ፣ ትማሊ ግን ማን ዩናይትድ ምስ 25 ኣባላት ናይታ ጋንታ ንሽዋይንስታይገር ብምስርዓ ናይ ምስላፍ ተኽእሎ ከምዝህልዎ ተኣሚቱሉ ኣሎ፣ ብረቡዕ ብዓቢ ክብሪ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ዝተፋነወ ሽዋይንስታይገር፡ ምስ ጋንታ ትሕቲ 21 ዓመት ክለብ ማን ዩናይትድ ክዕለም እዩ ጸኒሑ፣ ን12 ዓመታት ምስ ጀርመን ዝተጻወተ ሽወይንስታይገር፡ ምስ ሞሪኖ ዘለዎ ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ፣

Page 10: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 10መበል 26 ዓመት ቁ.3

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ምልክታ ጨረታ፡ ጨረታ ሳዕሪ

ማሕበር ደምበ ሰምበል ልዕሊ 20 ቅሚጦ ሳዕሪ ብጨረታ ክሸይጥ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ይዕድም።

1. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልታት ክፉት ይኸውን።2. ጨረታ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ሰዓት 4፡00 ድ/ቀ ግዱሳት ተጫረትቲ ኣብ

ዝተረኽብሉ ይኽፈት።3. ኣብ ጨረታ ንምውድዳር ድሕሪ ጨረታ ተመላሲ ዝኸውን ናቕፋ 2000.00

የትሕዝ።4. ዕዉት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዓጺዱ ንብረቱ ከልዕል ይግደድ።5. ማሕበር ደምበ ሰምበል ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን

እዩ።

ቴለ 150456/57ፖ.ሳ.ቁ 1153

ኣስመራ ምም/ማ.ደ.ሰምበል

ምልክታብስም በዓል ቤተይ ነፍ/ገብረኪዳን ዑቕባይ ጓንጉል ብመለለዪ ቁጽሪ ንብረት

1፡003189 ዝተመዝገበ ኣብ ን/ዞባ ኣኽርያ 1A168፡ ጎደና 168-13፡ ቁ.ገዛ 22 ዝርከብ ገዛ፡ ኣነ እንኮ ወራሲት ምዃነይ ኮ/ቤ/ፍ ኣኽርያ ብቁ.መዝ 75/16 ብዕለት 7/6/2016 ስለዘረጋገጸለይ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት፡ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ መአገዲ ትእዛዝ ወይ ናይ መወዳእታ ውሳነ ሒዙ ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታርን ቤ/ጽ ሃገራዊ ካደስትራልን የቕርብ።

ወ/ሮ ሮማ ኪዳነ ገብረገርግሽ

መሓመድኑር እድሪስ መሓመድ፡ ካብ ወ/ሮ ኪዳጃ ሑሴን ኣቡበከር ብውህብቶ ዝሃበትኒ ኣብ ኮሚሽን ኣባይቲ ብቑጽሪ ምስክር ዋንነት 101680 መወከሲ ቁጽሪ 104469/104470 ዝተመዝገበ ኣብ ኣስመራ ዞባ 5 ምምሕዳር 01 ጎደና ‘ሰ’ ቁጽሪ ገዛ 15/17 ስፍሓት መሬት 409.50 ት/ሜ ቁ/ሎታ 88 ቁ/ፓርሰል ዞባ A ዓይነት ገዛ ቪላ ናብ ስመይ ክሰጋገረለይ ስለ ዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ ውሳኔ ወይ መአገዲ ሒዙ ናብ ፓብሊክ ኖታሪ ወይ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ካዳስተራል ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ምዃነይ የረጋግጽ።

ኣቶ መሓመድኑር እድሪስ

ምዕቡል ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ብሕቲ ማሕበር ኣብ 01/08/2016 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣብ ዝገበርዎ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ትሕቲ እዚ ትካል ኣብ ከተማ ኣስመራ ምም/ን/ዞባ ቲራቮሎ (ካምቦፖሎ) ዝርከብ ፋብሪካ ጹሩይ ዝስተ ማይ ብስም ‘ቃሕታ’ (kahta) ተባሂሉ ክስየመሎም ውሳነ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ምዕቡል ሓዝብማ

ንሕና ኣቶ መሓመድ ነጋሽ ዓብደልቃድር+6 ዝተባሃልና፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ምም/ከባቢ ሓዝሓዝ ዞባ 6 ምም 04 ቁጽሪ ሎታ 16 ፓርቸላ 1 ቁጽሪ ገዛ 17 ዝርከብ ኣብ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ቤ/ጽ ካዳስተር ብንብረት መዝገብ ቁጽሪ 46344 ብጠቕላላ መዝገብ ቁጽሪ 71286 ብዕለት 30/02/1997 ብስምና ተመዝጊቡ ዋንነቱ ዝተረጋገጸልና፡ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ገዛና ንወ/ሮ ምሕረት ገሹ ባርያጋብር ስለ ዝሽጥናላ ስም ዋንነት ናብ ስም ዓዳጊት ከነመሓላልፎ ስለ ዝደለና፡ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤ/ጽ ካዳስተርን የቕርብ።

ኣቶ መሓመድ ነጋሽ ዓብደልቃድር +6

ቫሎሪ ጂሚ ሓርመን ዝተባሃልኩ ካብ ወላዲተይ ነፍ/ሄር ለተኪዳን ረዳ እንግዳ ኣብ ዕለት 10/12/12 ቁ/መዝ. 241/12 ወራስነተይ ብዘረጋገጽክዎ መሰረት ኣብ ዞባ ማእከል ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ምም/ኣባሻውል ኣብ ዞባ 7 ምም 01 መወከሲ ቁ. 125297 ቁ/ምስክር ወረቐት 111597 ተመዝጊቡ ዝርከብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት መንበሪ ገዛ ንዮሴፍ ተስፋይ ተወልደ ስለሽጥክዎ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት መአገዲ ወይ’ውን ይግባይ ሒዙ ናብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቤ/ጽ ፓፕሊክ ኖታዮ ይቕረብ። እንተዘየለ ግና ናይ ምትሕልላፍ መስርሕ ከምዝፍጸም ይሕብር።

ቫሎሪ ጂሚ ሓርመንወኪል፡ ጽሃየ ጸጋይ

NOTICE Notice is hereby given to the public that TEBAYIT Private Limited Company has been formed between the following members.

Name Nationality Address Shares

RIGBE KEFELA HAILE ERITREAN ASMARA 10KEBEDESH NEGASH HAILE ERITREAN ASMARA 10ABEBA TIKUI GEBRETNSAE ERITREAN ASMARA 10AKBERET WELDAI KIDANE ERITREAN ASMARA 10MEAZA ZEGAI HIDROM ERITREAN ASMARA 10FATINA HMED UMER ERITREAN ASMARA 10AMNA TAHIR IDRIS ERITREAN ASMARA 10HIWET BAH-ABELOM ABREHA ERITREAN ASMARA 10SEMBETU OKBAZION BERAKI ERITREAN ASMARA 10LIBANOS ASEFAW WELDU ERITREAN ASMARA 10ZEWDI TESFAI DESTA ERITREAN ASMARA 10LETEBREHAN ZERAI WELDEGEBRIEL ERITREAN ASMARA 10FANA WELDENKIEL ZEMUY ERITREAN ASMARA 10AMETE GEREZGIHER WELDEGEBRIEL ERITREAN ASMARA 10TIBE BEYENE NEGASI ERITREAN ASMARA 10KIBRA SIBHATU BAHTA ERITREAN ASMARA 10ZAID BEYENE WELDE-KIROS ERITREAN ASMARA 10SABA BERHE UGBAZGI ERITREAN ASMARA 10KUMESH SEID SIRAJ ERITREAN ASMARA 10LETENSIE DEBREZION GEBREMARIAM ERITREAN ASMARA 10ZEWDI KIDANE GEBREMEDHIN ERITREAN ASMARA 10NEGESET TESFANKIEL WELDETINSAE ERITREAN ASMARA 10MEAZA HAILE GABIR ERITREAN ASMARA 10FITAW GEBREKIDAN BERHE ERITREAN ASMARA 10ELSA SEMERE GEBREAB ERITREAN ASMARA 10HANSU TEWELDE SAHLE ERITREAN ASMARA 10REZAN YIHDEGO TEWELDE ERITREAN ASMARA 10MIHRET ABREHA HABTE ERITREAN ASMARA 10 TOTAL 280

B. The Address of the company is in ASMARA (ZOBA MAAKEL)C. Business purpose of the company are:- To establish restaurants, hotels, snack Bars, hostels, Bakeries , pastries’, Groceries and shops and Recreation centerD. The capital of the company is NAKFA 280,000.00 ( Two Hundred eighty thousand Nakfa ) . All paid in cash. The par value of each share is NAKFA 1,000.00 ( One Thousand Nakfa).

Mrs. KEBEDESH NEGASH HAILE.is the appointed manager of the E.

companyThe company is formed for unlimited period of time.E.

TEBAYIT Private Limited Company.

Page 11: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 11መበል 26 ዓመት ቁ.3

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following positions for its Bisha Site Project.

Document Controller 1.

Major Duties and responsibilities

1. Administration 1.1 Assist with the writing and record keeping of all standard operating procedures and legal notes.1.2 Ensure that all legal documents and policies are stored in a safe place with a

reference document to ensure ease of referral.1.3 Write up as well as populate all Engineering Standard Operating Procedures

as well as Safe Working Practices.1.4 Assist with the facilitation of monthly review meetings for the Engineering department.1.5 Responsible to ensure that required information is displayed on the notice boards 1.6 Review all existing Standard Operating Procedures on a monthly basis to ensure accurateness.1.7 Ensure that all Standard Operating Procedures are all done in the same format and template.

2. Filing2.1 Ensure that all Engineering documentation which falls within this position’s

area of responsibility is filed accurately and that a record be kept of all documentation filed.

Knowledge and Skills

Qualifications:Grade 12 •Diploma/Certificate in Secretarial or Administrative function added •advantage

Knowledge and Experience:2 – 3 Years MS Office experience•3 – 5 Years’ experience in Mining Industry will be an added advantage•2 Years Secretarial or Data Clerk experience will be an added •advantage

Technical Skills Behavioural SkillsComputer Literacy (MS Office •– Intermediate)Administrative skill•Time Management•Accuracy•Telephonic manner•Organisational skill•

Communication (English •and Local language)Interpersonal relations skill•Team player•Self- Motivated•

Safety Officer 2.

Major Duties and responsibilities

1. Planning1.1 Ensure policies and procedures are in place.1.2 Ensure Mine is compliant with legislative and regulatory requirements.1.3 Assist with the “Safety & Health Management System.

2. Implementing Safety & Health2.1 Inspect the workplace for potential hazards.2.2 Respond to and investigate accidents and emergencies.2.3 Liaise with on-site contractors to ensure compliance with safety regulations.2.4 Coach and advice employees regarding Safety & Health.2.5 Identify unsafe acts, conditions, hazards and investigate root causes as well

as identifying corrective action.2.6 Enforce on-site safety, health and emergency compliance to programs to minimise/prevent incidents.2.7 Investigate incidents/accidents.2.8 Conduct planned inspections/audits.2.9 Co-ordinate monthly Safety & Health meetings. 3. Reporting3.1 Complete, daily, weekly and monthly reports.3.2 Report any incidents/accidents and risk assessments

Knowledge and Skills

Qualifications:Certificate : Occupational Health & Safety, emergency responseGrade 12Knowledge and Experience:2/3 years previous experience in Health & Safety & Emergency ResponseTechnical Skills Behavioural

SkillsComputer Literacy (MS Office – Intermediate, Excel ) Communication

(English and local language )

Supervisory skills AssertivenessAttention to detail FlexibleAnalytical skill IntegrityPhysical fitness Self-DisciplineProblem solving skill Ability to work

towards strict deadlines

Drivers Licence High level of accuracy

Plan, organize & execution skills Discretion and Organising skills

General Information and other requirements:

Place of Work: Bisha.Type of contract: Indefinite period Salary: As per Company salary scale.Additional requirement for Nationals: Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present clearance paper from current/last employer.Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned to sender. All applications should be sent through the post office.Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

Note to Eritrean applicants:

Please send a copy of your application to Aliens Employment permit Affairs, P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ ነፍሒ፡ ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ክልቲኡ ካምፓስ ንተመሃሮን ኣባላትን ኣገልግሎት ዝህብ መዘናግዒ ማእከልን ንኣሽቱ ትካላት ካብ ዕለት 5/9/2016 – 30/6/2018 ንክልተ ዓመት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝጸንሕ ውዕል ንዕዉታት ግቡኦም ዘማልኡ ተጫረትቲ ከካሪ ስለዝደለየ፡

ግዱሳት ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

1. ናይ ነፍሲ ወከፍ ትካል ናይ 2015 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ።2. ናይ ነፍሲ ወከፍ ትካል ተጫረትቲ ተመሳሳሊ ልቸንሳ ክኸውን ኣለዎ።3. ንመኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ተመላሲ ገንዘብ በዚ ኣብ ታሕቲ ንነፍሲ ወከፍ ትካል

ተመዲቡ ዘሎ ናቕፋ C.P.O ከትሕዙ።4. ተጫረትቲ ዘይምለስ 100 ናቕፋ ብምኽፋል ሰነድ መብርሂ ጨረታ ይመልኡ።5. ጨረታ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ንዓሰርተ መዓልቲ (10) ክፉት ኮይኑ፡

ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።6. መኽበሪ ጨረታ ብC.P.O ነፍሲ ወከፍ ተመላሲ ዝኸውን የትሕዝ።

1. ክልተ ትካላት ቤት ሻሂ ነፍሲ ወከፍ ትካል 100,000 ናቕፋ2. ክልተ ትካላት እንዳ ድኳን ነፍሲ ወከፍ ትካል 50,000 ናቕፋ3. ክልተ ትካላት እንዳ ፎቶ ኮፒ ነፍሲ ወከፍ ትካል 30,000 ናቕፋ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ኣብ ኣሃዱ ዕድጊ ብምምጻእ ወይ ብቁ/ስልኪ 08202671 ብምድዋል ምውካስ ይከኣል።ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ፡ ብኸፊል ወይ

ብምሉኡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ

Page 12: ዓንሰባ - ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ትሕዝቶ ተገምጊሙ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_03092016.pdf · ሓዳስ ኤርትራ. መበል 26 . ዓመት

ሓዳስ ኤርትራ 3 መስከረም 2016 - ገጽ 12መበል 26 ዓመት ቁ.3

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትሃብቶም ኢዮብ

ዘቢብን ዘቢባን፡ እተን ክልተ ዝፋተዋ መሓዙት፡ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ መገዲ ተራኺበን ነይረን። ተሃዊኸን ስለ ዝነበራ ብዙሕ ኣየዕለላን። እቲ ሽዓኡ ዝተበሃሃልኦ እዚ ዝስዕብ’ዩ፦“ናበይ ገጽኪ ድኣልኪ ሓብተይ

መዓረይ?” ዘቢባ ንመሓዝኣ ሓተተታ።

ዘቢብ ዘቢባ

ሜትሮታት ተረሓሒቐን እንከለዋ’የን ዘረባ ጀሚረን።“ናብ እንዳ ሓወቦይ ህጽጽቲ

መልእኽቲ ከብጽሕ ይኸይድ ኣለኹ። ንስኺኸ ናበይ ኢኺ?” “ኣነ ኸማን ተላኢኸ’የ ዘለኹ።

መልእኽተይ ግድን ሕጂ ከብጽሓ

ኣለኒ፡” በለታ ንዘቢባ መሓዝኣ።“ክልቴና ሓደ ኢና ዘለና።

ብኣጋጣሚ ኸኣ ተራኺብና’ምበር። ኣይገርመክን?” ሰሓቐት ዘቢባ።“ዝፋተዉ ከይተቛጸሩ ይራኸቡ፡

ዝጻልኡ ኸኣ ተቛጺሮም ይሰኣኣናኑ ዝብል ምስላስ ሓቂ’ዩ ኣቲ መሓዛይ።”“ሓቂ ክኸውን ኣለዎ’ምበር።

እቶም ዓበይቲ ከይሓሰቡዶ ክምስልዎ ኰይኖም። እንታይ ድኣሉ እዚ ኣብ ኢድኪ ዘሎ?” ሓተተት ንመሓዝኣ።“እዚኣ ናተይ ዝነበረ ድቪዛ’ያ።

ቊርብተይ ቅድድ ኢላ ስለ ዘላስ ከስፍያ እየ።”

እተመሳቐለ ቃላትእዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ናይ ዝቐረበ ሕቶ እተመሳቐለ

ቃላት መልሲ’ዩ።

ኣብራር ሳልሕቤ/ት ሳግም ተሰነይ

ኣብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ቊጽሪ ናይ ፋብዮናሲ ቊጽርታት ክንርኢ

ዓለምና ብንቚጽ መሬትን ማያትን ዝቘመት’ያ። እቲ ማያዊ ክፋል ንሓሙሽተ ዓበይቲ ውቅያኖሳትን ካልኦት ባሕርታትን የጠቓልል። እቲ ንቚጽ መሬት ድማ ሸውዓተ ኣህጉራት ይሓቊፍ። እተን ሸውዓተ ኣህጉራት ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኤውሮጳ’ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ኣንታርቲካ፡ ኣውስትራልያ ይበሃላ።

ኣፍሪቃካብተን ሸውዓተ ኣህጉራት ዓለም፡

ኣፍሪቃ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ስፍሓት መሬት ኣፍሪቃ 30 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ከም ዝበጽሕ ይግመት። መሬት ኣፍሪቃ ካብ ማእከላይ ባሕሪ (ብሰሜን) ክሳብ ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ብሸነኽ ደቡብ)፡ ካብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ (ብምዕራብ) ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ (ብምብራቓዊ ሸነኽ) ይዝርጋሕ። ኣፍሪቃ መበቈል ወዲ ሰብ

እናተባህለት እትግለጽ ኣህጉር’ያ። ፈላጣት ከም ዝብልዎ፡ ወዲ ሰብ ኣብዛ ኣህጉር ተፈጢሩ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ከኣ ፋሕ ኢሉ። ሰፊሕ ክፋል ኣፍሪቃ ብምድረበዳነት እተጠቕዐ’ዩ። ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ግን ዕሙር ጫካ ኣሎ።

ካብ ጅኦግራፍያዊ ኣቃውማ ኣፍሪቃ

ጅኦግራፍያዊ ኣቃውማ ኣፍሪቃ ፍሉይነት ኣለዎ። ኣርብዓ ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ መሬት ኣፍሪቃ ትሮፒካዊ ምድረ ሳዕሪ’ዩ። እዚ ናይ ኣፍሪቃ ምድረ ሳዕሪ “ሳቫና” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ሳቫና” ከም ዘራፍ፡ ኣንበሳ፡ ቺታ፡ ዝብኢ ካልኦት ዓይነት እንስሳታት ይርከብዎ። ካልእ ኣርብዓ ሚእታዊት ምድረበዳ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኣፍሪቃ ዝርከብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ ምድረበዳታት ናሚብን ካልሃርን ይርከቡ። ፈለግ ኒል ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ

ፈለግ’ዩ። ኣብ ኣህጉርና ከኣ ይርከብ። ብዕብየቶም ድሕሪ ፈለግ ኒል ዝስርዑ ኣፍላጋት ኣፍሪቃ ፈለግ ዛየር፡ ፈለግ ኒጀር፡ ፈለግ ዛምበዚ ይበሃሉ። እቲ

ክፍሊ ዓለማት

ቊጽሪ

“ድቪዛ ምዝካርኪ ጽቡቕ። ግና ቁሩብ ተቐዲዳ ኢልክስ እንዳ ሰፋያይ ክትከዲ ኣይጽቡቕን’ዩ። ወይ ንማማኺ ወይ ንማማየይ ስፈያለይ ዘይትብልየን፡” ተገረመት ዘቢባ።“ንማማ እንዳ ሰፋያይዶ ክወስዳ

ኢለ ነጊረያ ሕራይ ኢላትኒ’እኳ’ያ፡” ዘቢብ ፍቓድ ኣዲኣ ከም ዝረኸበት ሓበረት።“ስድራና ንኸምዝን ካልእ ቀንጠ

መንጥን ዘየድሊ ገንዘብ ከጥፍኡ ኣይንደፋፍኣዮም ዘቢበይ። ናይ ምሸት’ሞ ምጽኒ ንማማ ስፈይያ ንብላ። እንተዘየለ ኸኣ ባዕልና ንፍትኖ። እቶም ዓበይትስ ደርሆ ሓሪዶምዶ

ክኢሎሞ’ዮም! ኣይመስለክን?” ዘቢባ ድሮ ንኽትከይድ ስጒምቲ ጀሚራ ኣላ። ክሳዳ ጠውያ’ያ ንመሓዝኣ ትዛረባ ነይራ።“ጽቡቕ ኣለኺ። መጻሕፍትና ፡

ቦርሳታትና፡ ጥራውዝትና ንጥርዘሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ክንዳሎ ኣለና። ተሃዊኽና ስለ ዘለና ናይ ምሸት ብዛዕባ ምድላው ትምህርቲ ኣስፍሕ ኣቢልና ነዕልል። ቻው- ቻው፡” በለት ዘቢብ። “ልኡኽና ኣብጺሕና ንራኸብ።

ቻው ብሩኽ መዓልቲ፡” በለት ዘቢባ ብወገና ብፍጥነት ክትስጉም እናጀመረት።

ዝበረኸ እምባ ናይ ኣፍሪቃ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ እምባ ክሊማንጃሮ’ዩ። ብራኸ ናይዚ እምባ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 5895 ሜተር ይግመት።

ካብ ታሪኽ ኣፍሪቃወድ ሰብ ቅድሚ 2 ሚልዮን

ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝተራእየ ይንገረሉ። ሓሙሽተ ሽሕ ዓመታት ቅድሚ ሓባራዊ መዋእል፡ ስልጣነ ግብጺ ኣብ ገማግም ፈለግ ኒል ጀሚሩ። እዚ ናይ ፈለማ ስልጣነ ወድ ሰብ ምዃኑ’ዩ። ንኣስታት 2500 ዓመታት ብፍጥነት ቀጺሉ። ገለ ካብቲ ግብጻውያን ዝልለይሉ ናይ ፈለማ ምዕባለ ምጅማር ጽሕፈት፡ መሰረታዊ ተግባራት ቊጽሪ፡ ሬሳ ከይመሽመሸ ንኣሽሓት ዓመታት (ክሳብ ሎሚ) ከም

ዝጸንሕ ዝገብር ሜላ፡ ብዓቢኡ ድማ ህንጸት ሃረም (ፒራሚድ) እዮም።ኣብ 1400ታት ኤውሮጳውያን ብፍላይ

ፖርቱጓጋላውያን ንመጀመርይኦም ናብ ኣፍሪቃ መጺኦም። ሓሳቦም ጥረ ነገራትን ገላዩ (ጊልያታት) ንምርካብ ነበረ። ብድሕሪዚ ንኣፍሪቃ ሓያለ ዓመታት ገዚኦማ። ብሰንኪ እዚ ነዊሕ መግዛእቲ ከኣ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብድኽነት ተጠቒዑ። ኣብ 1950 ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኰይነን።

ካብ ጸጋታት ኣፍሪቃኣፍሪቃ ብባህርያዊ ጸጋታት ኣዝያ

ሃብታም’ያ። ሓደ ርብዒ ጫካ ናይ ዓለም ኣብኣ ይርከብ። ከም ቡን፡ ቀጠፍ፡ ጡጥ፡ ባናን፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ንግዲ ጠለብ ዘለዎም ኣዝርእቲ ናብ

ዕዳጋ ተቕርብ። ኣፍሪቃ ብማዕድናት እውን ሃብታም’ያ። ወርቂ፡ ኣልማዝ ፡

ነዳዲ ገለ ካብቶም ንሰደድ እተቕርቦም ፍርያታ’ዮም።

ኢና። ናይ ፋብዮናሲ ቊጽርታትነዞም ዝስዕቡ ቊጽርታት

ንመልከቶም። ድሕሪ 34 ዝመጽኡ ሰለስተ ቊጽርታት ኣየኖት’ዮም? ብኸመይ ኣገባብ ክንፈልጦም ንኽእል? ቅድም ብሓሳብና ነዘን

ክልተ ሕቶታት ንክንምልሰን ንፈትን።

0, 1, 1, 2, 3, 5, 8, 13, 21, 34, ኣተኲርና ምስ እንዕዘብ እቲ

ሳልሳይ ቊጽሪ፡ ድምር ናይቶም ክልተ ቅድሚኡ ዘለዉ ቊጽርታት ምዃኑ ከነስተብህል ኢና። ንኣብነት ካብ ጸጋም ናብ የማን ገጽና ምስ እንቘጽር እቲ ሳልሳይ ዘሎ ቊጽሪ 1 እዩ። ቅድሚኡ ዘለዉ ክልተ ቊጽርታት ምስ እንምልከት 0 ከምኡ’ውን 1 እዮም። ነዚኦም እንተ ደሚርናዮም 1 ይህቡና። ድሕሪ እቲ ‘1’ ዘሎ ቊጽሪ 2 እዩ። እዚ ድምር ናይ ክልተ ቅድሚኡ ዘለዉ ቊጽርታት ክኸውን ኣለዎ። ቅድሚኡ ዘለዉ ክልተ ቊጽርታት ‘1’ ከምኡ’ውን ‘1’ እዮም። ንዕኦም ብምድማር እንረኽቦ ቊጽሪ 2 እዩ። ን2 ስዒቡ እንረኽቦ ቊጽሪ 3 እዩ። ቅድሚ 3 ዘለዉ ቊጽርታት 1 ምስ 2 እዮም። ድምር ናይ 1ን 2ን 3 ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 21 ከም ሓደ ቊጽሪ ንውሰዶ። ቅድሚ 21 ዘለዉ ክልተ ቊጽርታት 8ን 13ን እዮም።

እዚ ዝስዕብ ቊጽራዊ ተግባር ቅኑዕ ምዃኑ እተፈልጠ’ዩ። 8 + 13 = 21 ካብዚ ብምብጋስ ድሕሪ 34 ዝመጽእ

ቊጽሪ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ዝድለ ዘሎ ቊጽሪ ዘለዉ ክልተ ቊጽርታት ብምድማር ይርከብ። እቶም ክልተ ቁጽርታት 21 ከምኡ’ውን 34 እዮም። ድምር ናቶም እስከ ንመልከቶ፥21 + 34 = 55ስለዚ ድሕሪ 34 ዝመጽእ ቊጽሪ

55 እዩ። ድሕሪ 55 ዝስዕብ ድማ፥34 + 55 = 89 ን ቊጽሪ 89 ዝስዕቦ ቊጽሪ ኸኣ፥55 + 89 = 144እቲ መስርዕ ናቶም ቊጽርታት

ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።0, 1, 1, 2, 3, 5, 8, 13, 21, 34,

55, 89, 144

ተኸታተልቲ ቊጽርታት ብኸምዚ ኣገባብ (ሓደ ቊጽሪ ድምር ናይ ክልተ ቅድሚኡ ዘለዉ ክልተ ቊጽርታት ምስ ዝኸውን) ተሰሪዖም ምስ እንረኽቦም ናይ ፋብዮናሲ ቊጽርታት ንብሎም።