12
መበል 24 ዓመት ቁ. 135 13 ጥሪ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ሳዕቤን’ቲ መስተ ገጽ 4 ድልድል ሓዳርና ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ደልየ ገጽ 8 ኣገራሚ ባህርያዊ ክስተት ጸሓይ ኣብ ፕላኔት ምድሪ ገጽ 10 ፍቕሪ ንዘንተ እለት ገጽ 11 ተኽለማርያም ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ ሰሉስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ንዝመጽዎ ጸገማትን ተጻብኦታትን ብምብዳህ፡ ቀጻልነታን ብሩህ መጻኢኣን ዘውሓሰት ሃገር ክውንን ከምዘኽኣሎ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኣሕመድ ጣህር ገሊጹ። ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ “ዝሓለፈ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህው፡ ንጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ፈቲኑ ዘትብዐ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ናጽነት ዘረጋገጸ ሓያል ንቕሓትን ውዳቤን፡ ሕጂ’ውን መሰረት ሃገራዊ መደብ ኮይኑ ይቕጽል ምህላው እቲ ዝዓበየ ዓወት ቤት-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕ፡ ብ10 ጥሪ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ዘምሃረቶም 44 ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከብኦም 77 ተመሃሮ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ። ኣብ’ቲ ን5ይ ግዜኡ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዳይሬክተር ናይታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ሚኪኤል ጃህራይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ 2013 ዝጀመረ ስልጠና ኣብ ኣብያተ- ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕን ገጀረትን ከምእተዋህበ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ሆስፒታል ነበርቲ ሕምብርቲ፡ ብፍግረ-መሬት ተባሕጒጉ ዝኸይድ ዝነበረ ሓመድ ንምዕቃብን ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን፡ ማይ ክዖታት ናይ ምፍዋስ ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ። ኣመሓዳሪ ሕምብርቲ ኣቶ ተስፋማርያም መብራህቱ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶታዊ ወፈራ ዝኸውን ኣስታት 35 ሽሕ ናቕፋ ከምዘዋጽኡ፡ ዛጊት ድማ 15 ሜትሮ ጋብዮን ሰሪሖም ከምዘለዉን እቲ መደብ ሓደ ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ንምስራሕ ከምዝኾነን ብምብራህ፡ ነበርቲ ብልዑል ወኒ ንዘሰላስልዎ ዘለዉ ስራሕ ንምትብባዕ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ቈላሕታ ክገብረሎም ተላብዩ። ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም ብቐንዱ ንረብሓኦም ስለዝኾነ ብልዑል ድሌትን ተወፋይነትን ይዓምዎ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ከሎ ገና ፍግረ- መሬት ንምክልኻል ነቲ ዝተርፎም ስራሕ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከሰላስልዎ ምዃኖም ኣረዲኦም። ኣባላት ኮሚተ ልምዓት ዓዲ ብግደኦም፡ ንልዑል ውህደትን ግብራዊ ተሳትፎን ነበርቲ ብምምጓስ፡ ምህብታም ትሕተ- ባይታዊ ማይ ንዝሰትይዎ ማይ ይኹን ሕርሻዊ እቶት ንምድንፋዕ ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ቀጻልነቱ ክውሓስ ኣዘኻኺሮም። ነበርቲ ሕምብርቲ፡ ማይ-ኲዖታት ብምፍዋስ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ናይ ምህብታም ንጥፈታት የካይዱ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ቀንዲ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነት፡ ጥምረትን ምክብባርን ምዃኑ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር መሓመድ-ጅምዕ ብግደኡ፡ እዚ ድማ - ልኡላውነትን ክብረትን ሃገሩ ዓቂቡ፡ ብተጻብኦታት ከይተዓናቐፈ ኣብ ሓዲድ ምዕባለ ክምርሽ ከምዘኽኣሎ ኣብሪሁ። “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተኸተልዎ መትከል ርእሰ-ምርኰሳ፡ ዕቑር ጸጋታት ኣብ ምብርባርን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያልን ዕድል ፈጢሩ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ኣቡበከር፣ ማላውን ሰባውን ዓቕሚ ብምውህሃድን ብምውዳብን ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ተበጺሑ ምህላው ብምግላጽ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተዋዲዱ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ከምኡ’ውን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፍሕፋሕ ዝተሰላሰሉ መደባት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾኑ ኣብሪሁ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ጉዳይ መሬት ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ንባህልን ምክብባርን ህዝቢ ኤርትራ ዝብልል ተርእዮታት ዕቱብ ክትትል ክግበረሉ፣ ኣብ ኣስነዳ ዕዳጋ ጥሪት ክህነጽ፡ ህንጸት ዲጋ ቀዳምነት ክወሃቦ፡ ከምኡ’ውን መስመር ኣስነዳ - ከረን ክስራሕ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብሩህ መጻኢኣ ዘውሓሰት ሃገር ክውንን ከምዘኽኣሎ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ገሊጹ መወልዳን ኦሮታ፡ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ፡ ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ማእከል ጥዕና ፍረ-ሰላም - ቃሓውታ፡ መደበር ጥዕና ጎዳይፍን ግብራዊ ትምህርቲ ከምዝቐሰሙ ገሊጹ። ቀንዲ ዕላማ ምኽፋት ኣብያተ- ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣብ ዞባታት፡ ትካላት ጥዕና ዝጠልብኦ ዓቕሚ-ሰብ ብቐረባ ምምላእን ብቑዕ ኣገልግሎት ምሃብን ምዃኑ ዝጠቐሰት ሓላፊት ምክትታል ኣብያተ-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣብ ዞባታት ሲስተር ቅዱሳን ኣብርሃ፡ ተመረቕቲ ነዚ ቤት-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕ፡ 77 ተመሃሮ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

  • Upload
    others

  • View
    15

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

መበል 24 ዓመት ቁ. 135 13 ጥሪ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3

ሳዕቤን’ቲ መስተ

ገጽ 4

ድልድል ሓዳርና ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ደልየ

ገጽ 8

ኣገራሚ ባህርያዊ ክስተት ጸሓይ ኣብ ፕላኔት ምድሪ

ገጽ 10

ፍቕሪ ንዘንተ እለት

ገጽ 11

ተኽለማርያም ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ

ሰሉስ

ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ንዝመጽዎ ጸገማትን ተጻብኦታትን ብምብዳህ፡ ቀጻልነታን ብሩህ መጻኢኣን ዘውሓሰት ሃገር ክውንን ከምዘኽኣሎ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኣሕመድ ጣህር ገሊጹ።ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ

ኣስማጥ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ “ዝሓለፈ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህው፡ ንጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ፈቲኑ ዘትብዐ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ናጽነት ዘረጋገጸ ሓያል ንቕሓትን ውዳቤን፡ ሕጂ’ውን መሰረት ሃገራዊ መደብ ኮይኑ ይቕጽል ምህላው እቲ ዝዓበየ ዓወት

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕ፡ ብ10 ጥሪ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ዘምሃረቶም 44 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 77 ተመሃሮ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።ኣብ’ቲ ን5ይ ግዜኡ ዝተኻየደ ናይ

ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዳይሬክተር ናይታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ሚኪኤል ጃህራይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ 2013 ዝጀመረ ስልጠና ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕን ገጀረትን ከምእተዋህበ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ሆስፒታል

ነበርቲ ሕምብርቲ፡ ብፍግረ-መሬት ተባሕጒጉ ዝኸይድ ዝነበረ ሓመድ ንምዕቃብን ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን፡ ማይ ክዖታት ናይ ምፍዋስ ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ።ኣመሓዳሪ ሕምብርቲ ኣቶ ተስፋማርያም

መብራህቱ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶታዊ ወፈራ ዝኸውን ኣስታት 35 ሽሕ ናቕፋ ከምዘዋጽኡ፡ ዛጊት ድማ 15 ሜትሮ ጋብዮን ሰሪሖም ከምዘለዉን እቲ መደብ ሓደ ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ንምስራሕ ከምዝኾነን ብምብራህ፡ ነበርቲ ብልዑል ወኒ ንዘሰላስልዎ ዘለዉ ስራሕ ንምትብባዕ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ቈላሕታ ክገብረሎም ተላብዩ።ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዘካይድዎ

ዘለዉ ዕማም ብቐንዱ ንረብሓኦም ስለዝኾነ ብልዑል ድሌትን ተወፋይነትን ይዓምዎ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ከሎ ገና ፍግረ-መሬት ንምክልኻል ነቲ ዝተርፎም ስራሕ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከሰላስልዎ ምዃኖም ኣረዲኦም። ኣባላት ኮሚተ ልምዓት ዓዲ ብግደኦም፡

ንልዑል ውህደትን ግብራዊ ተሳትፎን ነበርቲ ብምምጓስ፡ ምህብታም ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንዝሰትይዎ ማይ ይኹን ሕርሻዊ እቶት ንምድንፋዕ ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ቀጻልነቱ ክውሓስ ኣዘኻኺሮም።

ነበርቲ ሕምብርቲ፡ ማይ-ኲዖታት ብምፍዋስ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ናይ ምህብታም ንጥፈታት የካይዱ

ከምዝኾነ ኣረዲኡ።ቀንዲ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነት፡

ጥምረትን ምክብባርን ምዃኑ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር መሓመድ-ጅምዕ ብግደኡ፡ እዚ ድማ - ልኡላውነትን ክብረትን ሃገሩ ዓቂቡ፡ ብተጻብኦታት ከይተዓናቐፈ ኣብ ሓዲድ ምዕባለ ክምርሽ ከምዘኽኣሎ ኣብሪሁ። “ህዝብን መንግስትን ኤርትራ

ዝተኸተልዎ መትከል ርእሰ-ምርኰሳ፡ ዕቑር ጸጋታት ኣብ ምብርባርን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያልን ዕድል ፈጢሩ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ኣቡበከር፣ ማላውን ሰባውን ዓቕሚ ብምውህሃድን ብምውዳብን ክካየድ

ብዝጸንሐ ጻዕሪ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ተበጺሑ ምህላው ብምግላጽ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተዋዲዱ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ከምኡ’ውን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፍሕፋሕ ዝተሰላሰሉ መደባት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾኑ ኣብሪሁ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ጉዳይ መሬት

ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ንባህልን ምክብባርን ህዝቢ ኤርትራ ዝብልል ተርእዮታት ዕቱብ ክትትል ክግበረሉ፣ ኣብ ኣስነዳ ዕዳጋ ጥሪት ክህነጽ፡ ህንጸት ዲጋ ቀዳምነት ክወሃቦ፡ ከምኡ’ውን መስመር ኣስነዳ - ከረን ክስራሕ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብሩህ መጻኢኣ ዘውሓሰት ሃገር ክውንን ከምዘኽኣሎ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ

ጉዳያት ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ገሊጹ መወልዳን ኦሮታ፡ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ፡ ሆስፒታል ሓዝሓዝ፡ ማእከል ጥዕና ፍረ-ሰላም - ቃሓውታ፡ መደበር ጥዕና ጎዳይፍን ግብራዊ ትምህርቲ ከምዝቐሰሙ ገሊጹ።ቀንዲ ዕላማ ምኽፋት ኣብያተ-

ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣብ ዞባታት፡ ትካላት ጥዕና ዝጠልብኦ ዓቕሚ-ሰብ ብቐረባ ምምላእን ብቑዕ ኣገልግሎት ምሃብን ምዃኑ ዝጠቐሰት ሓላፊት ምክትታል ኣብያተ-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ኣብ ዞባታት ሲስተር ቅዱሳን ኣብርሃ፡ ተመረቕቲ ነዚ

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕ፡ 77 ተመሃሮ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Page 2: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ኣሕተምቲ ሕድሪን ኣብያተ-መጽሓፍቲ ኣውገትን፡ ብኣቶ ተኪኤ ተስፋይ ዝተዳለወ መጽሓፍ መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ቋንቋ ትግርኛ ብ9

ዕላማ’ዚ ተገንዚቦም ሞያዊ ብቕዓቶም ክብ ንምባልን ንህዝቦም ብተወፋይነት ከገልግሉን ኣዘኻኺራ። ወኪል ተመረቕቲ ኣብ ዘስመዓቶ

ቃል፡ ሞያ ጥዕና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናማዕበለ ዝኸይድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዝተማህርዎ ብውፉይ

ኣሕተምቲ ሕድሪን ኣብያተ-መጽሓፍቲ ኣውገትን፡ መጽሓፍ መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ ኣመሪቖም

ጥሪ ኣብ ሆቴል እምባሶይራ ኣመሪቖም።ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን

መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎምን ግዱሳትን

ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ጸሓፊ ኣቶ ተኪኤ ተስፋይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ 26 ምዕራፋት ዝሓዘ መጽሓፍ ናብ

ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ከገልግል ዝኽእል፡ ናይ ንግግር ስውያ፡ ኣነዳድቓ ቃላት ትግርኛ፡ ኣተነባብሃ ቃላትን

ላዛን፡ ዓይነታት ድርሰት፡ ግጥሚ፡ ኣተዓቓቕባ ጆርናል፡ ኣመዓባብላ ደብተር ድርሰት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዕዮ ትርጒም ዝምልከት መባእታ ፍልጠት ንምቕሳም ዝሓላነ ትሕዝቶ ከምዘለዎ ኣብሪሁ። ብዛዕባ’ዚ መጽሓፍ ቃሎም

ዘስምዑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኮሎጃትን ቦርድ ኣሕተምቲ ሕድሪን ዝተወከሉ መምህራን፡ ደረስቲ፡ ጋዜጠኛታትን ስነ-ጥበባውያንን ብግደኦም፡ መጽሓፍ መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ኣንበብቲ ንገዛእ ርእሶምን ተመኲሮኦምን ዘጋናዝቡሉ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ንእወታዊን ኣሉታዊን ጎድንታት ናይ’ቲ መጽሓፍን ኣገዳስነቱ ኣብ’ዚ እዋን’ዚን ኣቕሪቦም። ንሳቶም፡ “ሓደ ጸሓፊ ርቀቱን

ዕምቈቱን ብዘየገድስ፡ ፈጠራውን ጥበባውን ክኸውን ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ወለዲ ነዚ መልክዕን ጽባቐን ቋንቋ ትግርኛ ብባዕዳዊ ቋንቋታትን ዝቀላቐል ቓላትን ጽሑፍን ንኸይብረዝ ተራኦም ክጻወቱ ኣዘኻኺሮም።

***

ቤት-ትምህርቲ ነርስ ጊንዳዕ፡ 77 ተመሃሮ ...ስራሕ ብምምዕባል፡ ንዝለዓለ ውጽኢት ሚኒስትሪ ጥዕና ዝማዕበለ ናይ ስልጠና ባይታ ክፈጥረሎም ተላብያ።2015 ውጥን ዓለማዊ ሸቶታት

ምዕባለ ሚለንዩም ዘብቅዓሉ ዓመት ከምዝኾነ ዝሓበረ - ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ

ድማ፡ ኤርትራ ነቲ ቀንዲ ሸቶታት ንምውቃዕ ኣብ ምንካይ ሞት ኣደን ህጻንን ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ብኣድማዕነት እትሰርሕ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ምህላዋ ብምምልካት፡ ምጽንባር ሰልጠንቲ ኣብ’ቲ ሞያ፡ ሸቶታት ምዕባለ ሚለንዮም ኣብ ምውቃዕ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ብልዑል ተሳታፍነት ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት፡ ኣብ ምዕባለ ህይወት ህዝቢ ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዘርኣይ በርሀ ገሊጹ። ህዝቢ ኣኣብ ዓዱን ከባቢኡን

ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከኣ ብፍላይ ዘርኣዮ ተወፋይነት ስራሕ ልዑል ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ዘርኣይ፡ ናይ ሎም ዘበን ክራማት ኣብ መላእ’ቲ ንኡስ ዞባ ጽቡቕ ዝርግሐ ስለዝነበሮ፡ ምስቲ ዝተሳለጠ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ንጥፈታት፡

ሓረስቶት እኹል ምህርቲ ክሓፍሱ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሁ። ኣብ ምምሓዳር ከባቢ ትኹል

ንመግቢ ሰብን እንስሳን ዘገልግል ልዕሊ 5 ሽሕ በለስ ከምእተተኽለን እቲ 65 ሚእታዊት ከምዝጸደቐን፡ ካብ ዝተተኽለ ልዕሊ ሓደ ሽሕን 300ን ፈልሲ ቀላሚጦስ ድማ 45 ሚእታዊት ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ፡ ኣቶ ዘርኣይ ብተወሳኺ ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ፡ ጸገም ዝስተ

ማይ ሰብን እንስሳን ንምፍታሕ ብልዕሊ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገዛ-ቀላቲ ዝተሰርሐት ራህያ ዝኣክል ማይ ከምዘዋህለለት፡

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣፈንተራ ብልዕሊ 9 ሚልዮን ናቕፋ ዲጋ ትስራሕ ከምዘላ፡ ኣብ ደንበዶራን፡ ፈውሊና፡ ትኹል፡ እንዳባስምኦንን መሃንድሱን ከኣ ዲጋታት ንምስራሕ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ኣረዲኡ። ነበርቲ ብወገኖም፡ ኣብ

መስመር ሞልቊ - ባረንቱ ዘሎ ሽግር ኣገልግሎት መጓዓዝያን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዘሎ ጸገም መራኸቢታትን ክፍታሕ፡ ዘመናዊ ዕዳጋ ጥሪት፡ ኣሕምልትን ኣእካልን ክስራሕ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

***

ሞልቊ፡ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምዕባለ ነበርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ

Page 3: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 3

28 ሕዳር 2014 ሰዓት 9፡00 ምሸት’ዩ። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ከተማ ተሰነይ ምምሕዳር ከባቢ ዞባ-ሽዕብ “ሓደ ሰብ ብኸቢድ ተሃሪሙ ወዲቑ’ሎ” ዝብል ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ንመደበር ፖሊስ ተሰነይ ተደዊሉ። ፖሊስ፡ ብመሰረት ካብ ህዝቢ ዝተዋህቦ ሓበሬታ ኣብቲ ሰብ ወዲቑሉ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ግዜኡ በጺሑ። ብርግጽ ዝወደቐ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጸጋማይ ጎኑን ቅልጽሙን ብኻራ ብኸቢድ

ተወጊኡ ደሙ ኣብ ባይታ ውሒዙ ሞይቱ’ዩ ጸኒሑ። መዋቲ፡ መንእሰይ ኮይኑ፡ ጠንቂ

ሞቱ ጥራይ ዘይኮነ ንመንነቱ ዝገልጽ ዝኾነ ሰነድ ምስኡ ስለ

ዘይጸንሐ ንግዜኡ መን ምዃኑ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ፖሊስ፡ ጠንቂ ሞት ንምርግጋጽ ምስክርነት ሰብ ሞያ ጥዕና ንምርካብ ሬሳ መዋቲ ናብ ሆስፒታል ተሰነይ ወሰዱዎ። ሰብ ሞያ ሕክምና’ውን ዘድሊ መርመራ ድሕሪ ምክያድ ጠንቂ ሞት በቲ ዝወረዶ ማህረምቲ ዝሰዓበ ምዃኑ ሞያዊ ምስክርነቶም ሂቡ። እቲ ዝተረፈ መንነት መዋቲ

ንምፍላጥ በቲ ሓደ፡ ቀታሊ ወይ ቀተልቲ ንምርካብ በቲ ኻልእ መደበር ፖሊስ ተሰነይ ወፍሪ ምክትታል ኣበገሰ። ኣብቲ ዝተኻየደ ምክትታል መንነት

ሳዕቤን’ቲ መስተ ሜጀር ንርኣዮ ተኽለ (ኣንዋር)

መዋቲ ብቐሊሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። መዋቲ ዮውሃንስ ኣብርሃ ሃይለ - ዕድመ 25 ዓመት፡ መበቆል ዓዱ ዞባ ደቡብ - ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ዓዲ-ንፋስ ኣድራሻኡ ተሰነይ ምዃኑ ተፈሊጡ።

መደበር ፖሊስ ተሰነይ፡ መንነት መዋቲ እኳ ክፈልጥ እንተኸኣለ፡ ቀታሊ ወይ ቀተልቲ መን ምዃኑ ወይ ምዃኖም ንምምላስ ብጽዑቕ ተንቀሳቐሰ። ኣብቲ ዝተኻየደ ምጽራይን ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ሓበሬታን ጥርጡራት ክልተ ሰባት ከም ዝነበሩ ተረጋገጸ። ንሳቶም ቀዳማይ ብርሃነ ዳዊት ወልዳይ ዕድመ 22፡ መበቆል ዓዲ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ

በሪኽ፡ ዓዲ-ቆንጺ፡ ኣብ ሱዳን ወዲ-ሸሪፈይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተወልደ’ዩ። ኣድራሻ ናይዚ ጥርጡር’ዚ ተሰነይ፡ ምምሕዳር

ከባቢ ዞባ-ሽዕብ ኮይኑ ፍሉጥ ስራሕ ዘይብሉ’ዩ። ካልኣይ ድማ መሓመድ

ያቆብ ማሕሙድ፡ ዕድመ 22 ዓመት፡ መበቆል ዓዱ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ ኣድራሻ ተሰነይ፡ ፍሉጥ ስራሕ ዘይብሉ ምዃኖም ክብጻሕ ተኻኢሉ። ዝተረፈ ዕማም ፖሊስ

ንጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሕጊ ኣእቲኻ ምጽራይ ምክያድ’ዩ። ስለ ዝኾነ ተደለይቲ ይውዕልዎን ይሓድርዎን ዝበሃል ቦታታት ካብ ስድርኦምን ቀረብቶምን

ከይተረፈ ኣድላዪ ሓበሬታ ተኣከበ። ይኹን’ምበር ፍሉጥ ስራሕ ዘይብሎም፡ ብቐጻሊ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝቐያይሩ፡ ካብ ምቁጽጻር ወለዶም ዝወጹ፡ ጽቡቕ ፍልጠት ናይቲ ከባቢ ዘለዎምን ኣቐዲሞም ብስግረ-ዶብ ተኸሲሶም ዝነበሩን ብምዃኖም ንምሓዞም ዝተኻየደ ጻዕሪ ቐሊል ኣይነበረን። ድሮ ንተደለይቲ ንምሓዝ

ዝተኻየደ ሃድን 12 ሰዓታት እኳ እንተሓለፈ፡ ንሳቶም ግን ኣይተታሕዙን። ይኹን’ምበር ምክትታል ፖሊስ ረብሪበን ተሓሊለን ስለ ዘይፈልጥን ጥበብ ፖሊስ ካብ ብልሒ ገበነኛታት ስለ ዝሓይሽን ምክትታሉ

ብዝለዓለ ቀጸለ። ምክትታል ኣብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ከተማ ወጻኢ’ውን ንኹሉ እንተታት ኣብ ግምት ዘእተወ ነበረ። ኣብ መስርሕ

ናይቲ ምክትታል ማለት 29 ሕዳር ተደለይቲ ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ቶርዓ ከም ዝሓደሩ ሓድሽ

ሓበሬታ ተወሰኸ። ተደለይቲ ይህደኑ ከም ዘለዉን ኣንፈቶም ከም ዝተፈልጠን ከምልጡ ዘለዎም ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑን ምስ

ፈለጡ ድሕሪ ናይ 24 ሰዓታት ፈተነ ምስዋር ኢዶም ናብ ፖሊስ ተሰነይ ሂቦም።

መሓመድ ያቆብ ማሕሙድ

መዋቲ ዮውሃንስ ኣብርሃ ሃይለብርሃነ ዳዊት ወልዳይ

ክሱሳት ንፍጻመ ናይቲ ሞት ክገልጹ ከለዉ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ እንዳ መስተ ምሉእ መዓልቲ ክሰትዩ ከም ዝወዓሉ፡ መዋቲ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቤት-መስተ ጣውላኡ ሒዙ ይሰቲ ከም ዝነበረ ብስኽራን ምስ ተኻእሉ ብጓል-ኣንስተይቲ ዝተላዕለ ዘየድሊ ምትህልላኽ ዝተበገሰ ባእሲ ከም ዝነበረ መሬት ምስ መሰየን ምስ ጸልመተን ብርሃነ ዳዊት ወልዳይ ብኻራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቱ ከም ዝወግኦ፡ መሓመድ ያቆብ ማሕሙድ’ውን ብሰድያ ከም ዝሃረሞ ኣብ ቃለ-እምነቶም ገሊጾም ኣለዉ። እሞኸ ደኣ ብመስተ

ተደፍፊእካ ህይወት ሰብ ከተጥፍእ፡ ብዝፈጸምካዮ ገበን ግዜኻን ጉልበትካን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክትበሊ ካብ መንእሰያት ዘይትጽበዮ ተግባር’ዩ። ስለዚ መስተ ናይ ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምርዳእን ምግንዛብን ዓቕምኻ ኣዳኺሙ ዓሻ ድፍረት ኣዕጢቑ ንገበንን ሓደጋን ዘቓልዕ ምዃኑ ተገንዚብና ልዕሊ ዓቕምና ካብ ምስታይ ክንቁጠብ ይግባእ።

ሳላ ዝተኻየደ ጎስጓሳት ንኣገዳስነታ ብግቡእ ብምግንዛብ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መኪና ደይብካ መቐነት ምጥቃም ከም ባህሊ ተወሲዱ ዝበዝሑ መራሕቲ መካይን ብግቡእ የዘውትሩዋ ኣለዉ። ገለ መራሕቲ መካይን ግና ንጥቕማ ብግቡእ ካብ ዘይምግንዛብ ድዩ ዋላስ ካብ ሸለልትነት ክቕነትዋ ኣይርኣዩን ዘለዉ።“ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ መዓልቲ

ነይድሓን” ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ ከኣ፡ ወዝቢ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ብሰሪ ዘይምቕናቶም፡ ቀሊልን ከቢድን ማህሰይቲ ይወርዶም፣ ንሞት’ውን ክቃልዑ ይርኣዩ። ብኣንጻሩ መቐነት ስለዝተቐነቱ ካብ ከቢድ ሓደጋ ብዘይ ገለ ጉድኣት ዝናገፉ መራሕቲ መካይን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ካብ መዝገብ ፋይል መርመራ

ዝረኸብናዮ ከም ኣብነት ክንጠቕሰልኩም፦ዳዊት ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ’ዩ።

ንሱ ሓደ እዋን ኣብ ኣስመራ ናይ ቤተ- ሰቡ ውራይ ስለዝነበሮ፡ ንመርዓውቲ ኣሰንዩ፡ ንኣዕሩኽን ቤተሰብን ኣብ ምብጽጻሕ ተጸሚዱ ወዓለ።ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፡ “ዕሰሌ . .

. !” ተባሂሉ ዕዱማት ኣጋይሽን ቤተሰብን ነናብ ገዝኦም ዝፋነውሉ ዝነበሩ ግዜ’ዩ

ነይሩ። እቲ መንእሰይ ካብ ሰናይ ተግባር ተበጊሱ ነቶም ርሕቕ ዝበለ ገዛውቶም ንኸበጻጽሕ ተሰናድአ። ብመጀመርታ ድማ ነቶም ኣዕሩኽ መርዓዊን መሓዙት መርዓትን ኰይኖም ዘምሰዩ፡ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መኪና ተሰቕሉ። ንሱ ብታህዋኽ ዝኣክል ከይተቐነተ ተበገሰ። ነቲ ኣብ ጎድኑ ዝነበረ ተሳፋራይ’ውን ክቕነት ኣይሓበሮን።ብድሕሪኡ ንዘጋጠሞ ብዝምልከት

መንእሰይ ዳዊት፦ “ጉዕዞና እናቐጸልና ሃንደበት ስቴርሶ (መዘወሪ) መኪና ይኣብየኒ። ኣብ ምጥዋይ ስለዝነበርና ምስ ሓደ መንደቕ ብኸቢድ ንጋጮ። ኣነ መቐነት ስለ ዝተዓጠቕኩ ብኸብደይን ርእሰይን ምስ ስቴርሶ፡ እቲ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ተሳፋራይ ከኣ ምስ ቬትሮ ናይ ቅድሚት ብርእሱ ተላተምና። ኣነ ብኸቢድ ተሃስየ፡ እቲ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ግን ኣብ ርእሱ ከቢድ ማህረምቲ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ዓሪፉ። እቲ ጠንቂ ግና ንጹር’ዩ - መቐነት ዘይምቕናት’ዩ። እንተንቕነት ነይርና እዚ ኩነታት ኣምበይ ምገጠመናን” ይብል እቲ ንባዕሉ’ውን ስንክልና ዘጋጠሞ ዳዊት።ኣብ ኣተዓጣጥቓ መቐነት ገለ ሰብ

መካይን ዘዘውትርዎ ጌጋታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ነታ መቐነት ብግቡእ ክንዲ ዝኣስርዋ፡ ካብ ፖሊስ ትራፊክ ክሳብ

መቐነት - መድሕን ህይወትኤርምያስ ኣስፍሃ

ዝሓልፉ ጥራይ ብኢዶም ይሕዝዋ። ብዘይካ’ዚ ንባዕሎም ተቐኒቶም ነቲ ኣብ ጎድኖም ዘሎ ሰብ ተቐኒቱ ድዩ ኣይተቐነተን ኣየስተብህሉሉን ወይ’ውን ንኽቕነት ኣይሕብርዎን። ብወዝቢ ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞም እቲ ሰብ ግዳይ ሞት ወይ ከቢድ መቑሰልቲ ይኸውን። ናይ ገለ ገለ መራሕቲ መካይን መቐነቲ ከኣ ዘይጽኑዕ (መላጉሙ ዝተባላሸወ) ኮይኑ ይጸንሕ። ኣብ ጎድኒ መራሕቲ መካይን ኮይንካ ክትጓዓዝ ከለኻ ድማ “ሕማቕ ኣይምጻእ” እናበልካ ከብድኻ ሓቚፍካ ትጓዓዝ።ገለ መራሕቲ መካይን ነቶም ኣብ

ጎድኖም ዝስቀሉ ተሳፈርቲ ብዕድመ ዝደፍኡን ናይ ኣተዓጣጥቓ ኣፍልጦ ዝጎደሎምን ምዃኖም እናፈለጡ፡ ንመቐነት ብኸመይ ክዕጠቕዋ ከም ዘለዎም ኣየርእይዎምን፡ ወይ’ውን ባዕላቶም ኣየዕጥቕዎምን። በዚ ከኣ ንርእሶም ተዓጢቖም ነቶም ኣብ ጎድኖም ዘለዉ ሰባት ሸለል ብምባል ጉዕዞኦም ይቕጽሉ። እዚ ብፍላይ ኣብ ገለ መራሕቲ ታክሲ ዝዝውተር ተርእዮ’ዩ።ጥቕሚ መቐነት’ምበኣር፡ ሓደ መራሕ

መኪና ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ በቲ መቐነት ስለዝእሰር፡ ኣፍልቡ ብስቴርሶ ካብ ምዕባስ፡ ብርእሱ ምስ ቬትሮ ካብ ምግጫው፡ ነጢሩ ብቕድሚት ብመስኮት መኪና ካብ ምውጻእ የድሕን።

Page 4: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 4

ምስ በዓል ቤተይ ካብ እንምርዖ ክልተ ዓመታት

ኣቚጽርና ኣለና። ክሳብ ሕጂ ግን ውላድ ኣየማእከልናን ዘለና። ምስ በዓል ቤተይ ቅድሚ መርዓና ንሓጺር እዋን ደአ’ዩ ነይሩ’ምበር፡ ካብታ ዝተፋለጥናላ ዕለት ኣትሒዝናስ፡ ንረኣይናን ሰማዒናን ዘቕንእ ፍቕሪን ሓልዮትን እናተለጋገስና ኢና ኣብ መርዓ በጺሕና። ብናይ ሓባር ምርድዳእ ድማ ኢና ተመርዒና። እዚ ማለት ኩሉ ውሳኔታት ብናይ ክልቴና ስምምዕን ርድየትን’ዩ ናብ ሓዳር ኣሰጋጊሩና። ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ኢና

ክንቅጽል ጸኒሕና፡ ሕጂ ግን ንሓዳርና ዝፈታተን ተርእዮ ይገጥመና ኣሎ - ብፍላይ ንዓይ። እዚ ንሓዳርና ኣብ ሓደጋ እናውደቐ ዝመጽእ ዘሎ ጠንቂ ብቐንዱ በዓል ቤተይ’ዩ። ምኽንያቱ በዓል ቤተይ ምስ ኣደኡን ሓፍቱ ኣዝዩ ስጡም ዝዀነ ዝምድና’ዩ ዘለዎ። እዚ ንሓዳርና መሊሱ ብእወታ ዝጸሉ’ዩ ዝብል ርድኢት ስለዝነበረኒ፡ ብወገነይ ኣብቲ ፈለማ ብጽቡቕ ዓይኒ’የ ዝርእዮ ነይረ። ዝያዳ ኩሉ ግን ሰብኣይን ሰበይቲን እቲ ዝለዓለ ፍቕርን ሓልዮትን ንሓድሕዶም ክወሃሃቡ ከምዘለዎም ድጉፍ ነገር’ዩ። እንተዘይኰኑ፡ ልዕሊ ሰብኣይካ ወይ ሰበይቲኻ ንወለድኻ ፍቕሪኻን ሓልዮትካን ምርኣይ ወይ ዝያዳ መጻምድኻ ንዓታቶም ግምት ምሃብ ግን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ’ዩ ዝብል መረዳእታ የብለይን። ስለዚ ከኣ፡ በዓል ቤተይ ዘርእዮ ዘሎ ባህሪያት ቀስ ብቐስ፡ ንናይ ክልቴና ዝምድና ፍሑኽ እናበለ ብኣሉታ ክጸልዎ ጀሚሩ ኣሎ። መኣስ እዚ ጥራይ! ካብ

እተመርዓናላ ጀሚሩ፡ ካብ ኣደኡን ሓፍቱን’ውን ዘይተጸበኹዎ ባህሪን ተርእዮን ገጢሙኒ ኣሎ። ኣብ

‘ድልድል ሓዳርና ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ደልየ’

ከምዚ እዋን፡ በዓል ቤተይ ኣብ ክንዲ መንጎኛ ኰይኑ ዝዓርቀናን ንኹልና ዝገንሓናን፡ ምስ ሓፍቱን ኣደኡን እናወገነ’ዩ ኣሸጊሩኒ። ካብ ክልቲአን ሓደ ሕማቕ ዝዀነ ባህሪያት ኣብ ዝገጥመኒ እዋን፡ በዓል ቤተይ ከም መጻምድተይን ምቃል ጎድነይን መጠን ንዓይ ክሕግዝን ኣብ ጎድነይ ደው ክብልን ኣይረአኹዎን። ምስአን ክበኣስ ኣለዎ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፡ እንታይ ደኣ ገለ ገለ ግዜስ፡ ፍቕሪኻ ንምግላጽን ኣብ ጎድኒ ምህላውካ ንምርግጋጽን፡ ንመጻምድኻ ክትጣበቐሉን

ክትሕግዞን ጽቡቕ ብምዃኑ’የ። እንተዀነ ካብ በዓል ቤተይስ ንዓይ ውሕስነት ዝፈጥርለይ ደገፍ ረኺበ ኣይፈልጥን። ሂወተይ ብስግኣት’የ ዝሓልፎ ዘለኹ። እዚ ዘስዓቦ ጸቕጢን ወጥሪን

ገለ እዋን ብውልቅኻ ደው ምባል ዝሓሸ’ዩ ዝብል ሓሳብ ይመጽኣኒ’ሞ፡ ብርእሰይ ደው ኢለ ክምክት ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ፡ ምስ ኣደኡን ሓፍቱን ኣብ ዲቕ ዝበለ ባእሲን ቊይቊን ይመርሓኒ። እዚታት ድማ ኣብ ዘይደለኹዎ ወጥሪን ጸገምን’ዩ ዝሸመኒ ዘሎ። ሰባት ቅድሚ ሓዳር

ምግባር ብዝነበረኒ ደረጃ ርእሰ ምእትእምማን ኩሉ ግዜ’ዮም ዘድንቑኒ ነይሮም። ኣብ መንጎ መሓዙተይን መዛኖይን ጽቡቕ ዝዀነ ተቐባልነትን ውርዙይነትን ነይሩኒ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። እንተ ካብታ ዝተመርዓኹላ እዋን ኣትሒዘ ግን፡ ርእሰ-ምትእምማነይ ጎዲሉ ዳርጋ ዝጠቅም ሰብ ኰይኑ’ውን ኣይስምዓኒን’ዩ ዘሎ። ካብ በዓል ቤተይ ሓቀኛ ፍቕሪ ፍጹም ተሓሪሙኒ ከምዘሎ’ዩ ዝስምዓኒ። ኣብ ኩሉ ዝገብሮ’ውን ተገዳስነት እናጉደልኩ’የ ዝመጽእ ዘለኹ። እዚ ንኽልቴና ጸቕጢ ናይ ስምዒት ፈጢሩልና’ኳ

እንተሃለወ፡ ዝያዳ ግን ጽልዋኡ ንዓይ’ዩ። ምቹእ ግዜ ፈሊኺ ብህዱእ

መንፈስ ንበዓል ቤትኪ ዘይተዕልልዮ ትብሉኒ ትዀኑ። ዘይፈተንኩዎ እሞ መዓስ ኰይነ። ንበይኑ ፈልየ ዘለኒ ቃንዛን ጸገማትን ከልዕለሉ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ግብረ-መልሲ ብምሃብ ኣትኪኹኒ። “ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለይን፡ ምስ ኣደይን ሓፍተይን ከይደ’ውን ዝበኣሰሉ ምኽንያት የብለይን። ገለ ግዜ ኣደይን ሓፍተይን ኣብ ልዕለኺ

ኣደብ ዘይብሉ ባህሪያት ከንጸባርቓ ስለዝርእየን እሰማምዓሉ’የ። ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገር የብለይን’’ ዝብል መልሲ ይህበኒ። ስለዚ፡ ዝበዝሕ ግዜ ልዝብ ንኽህልወና እንገብሮ ጻዕሪ ፍረ ኣይርከቦን’ዩ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ብሕማቕን ርሱን ቌይቊን’ዩ ዝዛዘም። ወረ ገለ ግዜስ ኣብ ልዕለይ ጸርፊን ብዕሉግ ቃላትን ብምውጻእ ክዝልፈኒ ይርአ’ዩ። በቲ ቀጻሊ ዘቕርበሉ ጥርዓንን መረረን፡ “ንስኺ ንኽሓርቕ ኢኺ ትተዃትኹኒ ዘለኺ’’ ክብል’ውን ይምልሸለይ’ዩ። ታሪኸይ ብጽሞና ተንብቡ

ዘለኹም ኩነታቱ ኣስደሚሙኩም፡ “ክንደይ ትዕገሲ ኢኺ፡ ወይ ንዓይ ምረጽ ወይ ድማ ንኣደኻን ሓፍትኻን ምረጽ ዘይትብልዮ። ንሓዳሩ ቀዳምነት ዝህብ ምስ ዘይከውን ከኣ ዘይትጥንጥንዮ” ትብሉ ትዀነ። ኣይተጋገኹምን፡ ሎሚ ሎሚስ ከም ጀማሪት ሓዳር ትጽቢተይ ጋህዲን በበይኑ ስለዝዀነን ዓቕለይ ተጸንቂቑ ካብ ሓዳር ህደሚ ህደሚ’ዩ ዝመጻኒ ዘሎ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ካብ ሓዳር ምህዳም ኩሉ ግዜ ፍታሕ ዘይምዃኑ ዘንጊዐ ኣይኰንኩን። እንታይ’ሞ ክገብር? ቃል ኪዳን ምውራድ ከቢድን በሰላኡ መሪርን እንዶ ኰይኑኒ። ኣብዚኣ በጺሑ ልበይ ጨካን ክኸውን ኣይከኣለን - “ተዓገሲ፡ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ፡ ድሕሪ ጻዕሪ’ዩ ዓወት ዝርከብ፡ ድሕሪ መከራ’ዩ ራህዋ ዘሎ’’ እናበለ መስቀለይ ክጸወር’ዩ ሕሹኽ ዝበለኒ ዘሎ። ምኽሪ መሓዙተይን ፈለጥተይን እውን ፍርቂ ፍርቂ’ዩ ዘሎ - ፍትሕ ፍታሕ’ዩ ዝብልን ‘ያእ ፍትሕ ፍታሕ ኣይኰነን፡ ቀስ ኢልኪ ደኣ ልቢ በዓል ቤትኪ እትሰልብሉ ሜላ መሃዚ’’ ዝብልን’ዩ። ተዓጊስካ ሓዳርካ ንኸተደልድል

ጽቡቕን ብኹሉ ደላይ ጽቡቕ

ድጉፍን’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ንኸይዕገስ ተስፋ ዘቑርጸኒ ዘሎ ግን በዓል ቤተይ ብኣደኡን ሓብቱን ኣመና ዝተገዝአ ምዃኑ’ዩ። ኩሉ ግዜ ንዓታተን ክከላኸለለንን ሓደ ነገር ክገብረለን ኣለኒ ዝብል ስምዒት ዝተዓብለለ እንተዘይኰኑ፡ ከም መጻምድቱን ምቃል ጎድኑን መጠን ንዓይ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምዃኑ’ዩ። ልቡን ቀልቡን ኣደኡን ሓፍቱን ስለዝዀና ብዘይ ጥርጥር ኣብ ክንዲ ኣደኡን ሓፍቱን ብሞት ምሓለፈ፡ ኣብ ክንዳይ ግን. . . .?ስለዚ፡ ፍቕሪ መጻምድቲ

ዝተሓረምኩን ኣብ መንጎኦም ዝተጓነኹን ኰይኑ እስምዓኒ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ሓዳርና ፍቕሪ እናሃሰሰ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ድልድል ሓዳርና ከይዓኑ ሓገዝ እደሊ ኣለኹ። እቲ ሓዳር ቅድሚ ምግባረይ ብዛዕባ ሓዳር ዝነበረኒ ምንዮትን ራኢን፡ ሓዳር ምስ ኣተኹ ገጢሙኒ ዝመርሖ ዘለኹ ሂወት ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኰይኑኒ ኣሎ። ብምምርዓወይ ኣብ ሂወት ዝምነዮ ዝነበርኩ ምልኣት ክረክብ ብዘይምኽኣለይ ተዳኺመን ዝግብሮ ጠፊኡኒን ኣሎ። ጉዳይና ከምዚ ኢሉ እንተቐጺሉ ድማ ናበይ ገጽና ከነምርሕ ከምእንኽእል ዝሰሓት ኣይመሰለንን። እዚ ናተይ ዛንታ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትና ጸገምን ብዓቢኡ ድማ ጠንቂ ፍትሕን ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ንዓይን ነተን ከምዚ ናተይ ጸገም ዘለወንን ኣሕዋት መፍትሒ ክኸውን ስለዝኽእል ‘ምኽሪ ካብ ለባም’ ከም ዝበሃል፡ ለባማትን ብኸምዚ ናተይ ተመኩሮ ሓሊፍኩም ዝተዓወትኩምን ምኽሪኹም ኣይትብቀቑለይ።

ናይ ብርዒ ስመይ ምልእተ ካብ ኣስመራ

መዓስኮን’የ ከምዚ ኢለ ዝሕጐስ!

Page 5: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 5

መሓመድእድሪስ መሓመድ

(4ይ ክፋል)

እቲ ካልእ ዕጥቂ ጅግንነት

ቃልስና - ይቕጽል…ኣብ 1977 ኣብ ዜሮ ዝተመስረተት

ጉ/ባህሊ/ቤ/ት/ሰውራ፡ ኣብ እዋን ምዝላቕ ምስ’ተን ካብ ሓራ ከተማታት ዝተኣኻኸባ ጉጅለታት ባህሊ ቀያሕቲ ዕምባባ ተላፊና፡ ምዕብልትን

ምዕርግትን ጉጅለ ባህሊ ቈመት። ካብ ጣቕዒትን ከበሮን ሓሊፋ ከኣ ምዕቡል መሳርሒታት ሙዚቃን ምቅንባርን ብምትእትታው በብግዜኡ ዓበየት። ካብ’ቲ እዋን ኣትሒዛ እውን ኣብ ፍሉይ ቦታ እናተለማመደትን እናተንቀሳቐሰትን ሓያል ባህላዊ ቃልሲ ቀጺላ። ስነ-ጥበበኛ እስትፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) ንኩሉንትና ገድልን ማሕበራዊ ኩነታትን ዝገልጽ ዜማታት ከዳሉ ከሎ፡ ነፍሰሄር ዓሊ ያዓሲና፡ በታ ልዕሊ ኩሉ ዝመልካ ጊታሩ ንደሃይን ጥዑም ዜማታትን ናይ’ቶም ህጻናት እናኣሰነየ፡ እታ ጉጅለ ባህሊ ህብብትን ተፈታዊትን ክትከውን በቕዐት። ጉ/ባ/ቤ/ት/ሰውራ ምስ ምምጻእ

ጉጀለታት ባህሊ ቀያሕቲ ዕምባባ ቅጽበታዊ ዝላ እያ ኣርእያ። እቲ ብዕድመ ንእሽቶ ብኽእለትን ጥበብን ግን ምስ’ቶም ዓበይቲ ኣለይቲ መድረኽ ዝወዳደር፡ ሓንሳብ ኣብ መድረኽ ምስ ደየበ የማነ-ጸጋም እናተገላበጠን ዋዛን ቁም ነገርን እናሓወሰን ንተዓዘብቲ ብተመስጦ ዝመልእ መራሒ መደብ

ቀያሕቲ ዕምበባባ ስውእ ጊደዎን ኢያሱ ከኣ ኮኸብ ናይ’ታ ካብ ደቀምሓረ ዝወረደት ጉጅለ ባህሊ ነበረ። ጊደዎን፡ ቋንቋ ሳሆ ዘይፈልጥ ክነሱ በቲ ቆላቢ ኣእምሮኡ ነታ ዓሊ ያዕሲና ዘውጸኣ ‘ጌዳን ዎዮ…ዎዮ’ እትብል ደርፊ ክደርፍ፡ ሓንሳብ መደብ ክመርሕ፡ ሓንሰብ ድማ

ክዋሳእ. . . ሓደ ክንዲ ብዙሕ ብምዃን ነታ ጉጅለ ባህሊ ፉሕፉሕ የብላ ነበረ። ጉጅለ ባህሊ ንፈለማ እዋን ኣብ ዜሮ ምርኢት ክተቕርብ ከላ፡ ብደርፍታትን በታ ንኹሉ ተዓዛቢ ዝመሰጠት፡ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ጦር-ሰራዊትን ዝግበር ቅልስን ጭርጭር-ዓበደን እተርኢ ድራማን፡ ገድላዊ ሂወት ብብቕዓት ኣንጸባረቐቶ። ድሕሪ’ዚ ጉ/ባ/ቀ/ዕምባባ ኣብ

ናይ መድረኽ ምርኢት ጥራይ ከይተሓጽረት፡ ታሪኽ ክትስንድን ንውድባውን ዜናውን ስራሓት ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብርን ከም እትኽእል ስለ ዝተገመተ፡ ናብ ካልእ ውድባዊ ዕማም ናብ ፋሕ ክትብገስ ተወሰነ። ፋሕ፡ ካብ ዜሮ ንሰሜን ክልተ ሰዓት መንገዲ እግሪ ኰይኑ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ከምኡ’ውን ማእከል ዜናን ባህልን ውድብ ዝነበረሉ ቦታ እዩ።ኣብ’ቲ እዋን፡ ማለት ኣብ መወዳእታ

1978፡ ኣብ ፋሕ ብስራት ይቃላሕ ነበረ። ንሱ ድማ ፈተነ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ

እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቶም ካብ ነፈርቲ ኲናት ምእንቲ ክኽወሉ፡ ቀትሪ ኣብ ጎቦታትን ሰናጭሮን እናወዓሉ፡ ለይቲ ናብ ዜሮ እናተመልሱ ዕማሞም ዘሰላስሉ ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ዓቢ ብስራት ነበረ። ኣብ ተሽኪል (መደቀሲኦም) ኰይኖም፡ ነቲ ካብ በሪኽ ቦታ ብመጒልሒ ድምጺ ዝፍኖ ዝነበረ፡ ናይ ቅድመ-ምድላው ሙዚቃታት ክሰምዑ ከለዉ ዝያዳ ይምሰጡ ነበሩ። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ሳሕቲ ዝፍኖ ዝነበረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብገዛእ ርእሶም ዝደረፍዎ፡ ደርፍታት ባህ ይብሎምን ሞራልን ተስፋን የስንቖምን ነበረ። መዛሙሮም ብኸመይ ኣብ ሬድዮ ይፍኖ ከም ዝነበረ እውን ከይተገረሙ ኣይተረፉን። ካብ መስረትቲን መሃንድሳትን

ድምጺ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዮሴፍ

ኪዳነማርያም፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ እንክገልጽ፡ “ምስ ምጅማር ድምጺ ሓፋሽ ግድነት ሃገራዊን ሰውራዊን ደርፍታት ስለ ዘድለየ፡ ነዚ ንምምላእ ድማ ነታ ኣብ ከባቢና (ዜሮ) ዝነበረት ጉ/ባ/ቤ/ት/ሰውራ ናብ ፋሕ ብምምጻእ ዘዳለወቶ ደርፍታትን መዛሙርን ክንስንድ’ሞ፡ እታ ንፈነወ መዓልታት ጥራይ ተሪፋዋ ዝነበረ ድምጺ ሓፋሽ

ጉጅለ ባህሊ ቀያሕቲ ዕንባባ

ካብ ጸጋም ናብ የማን ዮሴፍ ኪዳነማርያምን ስውእ ከሰተ ፍሰሃየን ኣብ ፈተነ ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ (1979 ፋሕ)

ስውእ ግደዎን ኢያሱ ካብ ጸጋም ናብ የማን ቀዳማይ (1978 ዜሮ)

ብናይ ገዛእ ርእሳ ደርፍታትን መላለዪ ሙዚቃታትን ክትፍልም እዩ እቲ ዕላማ። በዚ ድማ ምስ’ቲ መድረኽ ዝኸይድ ደርፍታት መሊእና። ካብ’ቶም ሽዑ ደርፍታቶም ዝተመልአ ደረፍቲ፡ ዘማች፡ ያዓሲና፡ ፍሰሃየ በላይ፡ ዛህራ ዓሊ፡ ጨሪማ፡ ጊደዎን ኢያሱን ካልኦትን ነይሮም። ብኸም’ዚ እያ ድማ ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባላት ዝነበሩዋ ጉ/ባ/ቀ/ዕምባባ እታ ንመጀመርታ ግዜ ደርፍታታ ኣብ ከብሒ ገድሊ ዝሰነደትን ኣብ ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ፍሉይ ቦታ ዝሓዘትን ጉጅለ ባህሊ ህ.ግ. ክትከውን ዝኸኣለት። ድምጺ ሓፋሽ ካብ እትጅምር

ክሳብ ሕጂ ከም መላለት ኰይና ዝቐጸለትን ብማእከላይ ባህሊ’ውን ትድረፍ ዝነበረትን “ቃልስና…..ይቕጽል፡” እትብል መዝሙር፡ ጉጀለ ባህሊ ቀያሕቲ ዕምባባ ብሙዚቃ ኣሰንዮም እዮም መሊኦማ። ጉጅለ ባህሊ ቀያሕቲ ዕምባባ ካብ ፋሕ ናብ ዜሮ ምስ ተመልሰት፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድምጺ ሓፋሽ፡ ካብ’ታ ከም ስቱድዮ እትግልገለላ ኣብ ትሕቲ ሰራው ዝተገተረት ቴንዳ፡ ብደርፍታትን ሙዚቃን ቀያሕቲ ዕምባባ ፈላሚ ፈነወኣ ክተቃልሕ ዝበቕዐት። እዚ ኸኣ ነታ ጉጅለ ባህሊ ድርብ ብስራት ነበረ። ምኽንያቱ በቲ ሓደ፡ ውድብ ህ.ግ. ኣብ ገድላዊ ታሪኹ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ መደበር ሬድዮ ክምስርት ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ እቲ ኣብ ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ዝተቓለሐ ዜማታት ናይ ገዛእ ርእሳ ብምዃኑ። “ሰራሒት ቅያ ህጁም፡ ሰውራዊ ስልቲ ህጁም፡ ሸዐብ ኤርትርያ ሰብር ወዴ፡ መንእሰይ ዕጠቕ፡

ሚሊሻ ኒደራ”. . . ዝብሉ ደርፍታትን መዛሙርን ከኣ ገለ ካብ’ቲ ሽዑ እዋን ዝተቐድሑ ደርፍታት እዮም። ኣብ ምጅማር ድምጺ ሓፋሽ ዝቃላሕ

ዝነበረ ደርፍታት፡ ንጉ/ባ/ቀ/ዕንባባ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኩላቶም ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ብዓቢኡ ድማ ንውድብ ህ.ግ. ሓበንን ኩርዓትን ነበረ። ድሕሪ ምዝላቕ ግን ኩነታት እናጸንከረ ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ዜሮ ዝተመስረተ ቅሱን ሂወት ተማሃሮ ክዘናብልን ክዝረግን ጀመረ። ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራን እታ ጉጅለ ባህሊን ከኣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 1979 ደርፍታት ጽንዓት እናቃልሑ ካብ ዜሮ ዝያዳ ውሕስነት ናብ ዝረኽቡሉ ቦታታት ሳሕል ገዓዙ። ብዳርባ ቡምባ ነፈርቲን ሂምታ መዳፍዕን ዝናወጽ ዝነበረ ጎቦታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ግን፡ ካብ መዳፍዕን ሚሳይልን ዘይሰንፍ ደርፍታት እታ ጉጅለ ባህሊ ይቃልሓሉ ነበረ። ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ብፍላይ ነታ ኣብ ምጅማር ድምጺ ሓፋሽ ዝተቃልሐትን ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰትን ‘ቃልስና ይቕጽል፣ ይዕወት’ውን ናይ ግድን፡ ምስ ሓፋሽ ህዝብና፡ ክንረክብ ራህዋን ሰላምን’ እትብል መዝሙር እናኣቃልሑ’ዮም ዘዝልቑ ዝነበሩ።እንተ’ታ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት

ኣትሒዛ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርን ወጻእን ተማሃሮ እናተቐበለት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየት ናብ ዕምርቲ ከተማ ተቐዪራ ዝነበረት ዜሮ ግን፡ ኣሽሓት ደቃ ክፋነዉዋ ምስ ጀመሩ ብጽምዋ ተደፋኒቓ። ብነዋሕቲ መሳርዕ፡ ኣንፈቶም ክንዮ ዜሮ ዘቕንዑ ተማሃሮኣ ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ‘ቻው፡ ደሓን ኩኒ ዜሮ፡ መዓሰላማ’ እናበሉ ብምስንባት ናብ ብሌቓት ገጾም ኣንቆልቆሉ። ጉዕዞ ካብ ዜሮ ኣመና መሪርን

ጽንኩርን ነበረ። እቶም ንኣሽቱ ተማሃሮ ለይቲ ብጸላምን ግመን፡ ቀትሪ ብጸሓይን ሕጭጭታ ነፈርትን ተሰንዮም ኣብ’ቶም በረኽቲ ጎቦታት ሰሜናዊ ሳሕል ክሓዅሩን ክወርዱን፡ ነፈርቲ እንክቕልቀላ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ ቆጣቑጢ እናትሓብኡ በቲ ናይ ጽንዓት ዜማታቶም ይጸናንዑ ነበሩ። ጉዕዞ ጽንዓት ብደርፍታት ጽንዓት ተሰንዩ ገና ይቕጽል. . .።

ኣዘንታዊት ኣለም ዑቕባይይቕጽል…

Page 6: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ርሑስ በዓል “ሓድሽ ዓመትን ልደትን”

እናበለ ኣብ ዝተፈላለየ ብሉጽ ፍርያቱ ክሳብ 40% ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበረ ንዓማዊሉ

ከበስር ይፈቱ፣

ኣድራሻና ኣስመራ ከረን

ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Ø ፓላሶ ሪቫ ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 400301 ቁ.ስ. 110074

ጎደና ተጋደልቲ (ባራቶሎ ነበር) ጎዳይፍ ቁ.ስ. 182383

ኣስማራ ፓላስ ቁ.ስ. 153700 ext.2280

ምልክታ

ተኽለ ገብረሚካኤል እልፈ ካብ ጸጋይ ተስፋይ ወልደየውሃንስ ዝገዛእክዎ ገዛ ብዋንነት ቁ.181002 መወከሲ ቁ.141436 ዝፍለጥ ኣብ ዞባ 3 ን/ዞባ 05 ሎታ 57 ፓርቸላ (B) ዝርከብ ብቤ/ፍ ትእዛዝ ኣብ ሽመይ ክመሓላለፍ ስለዝተፈቕደለይ፡ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ቤ/ጽ ኖታዮ ይቕረበኒ።

ተኽለ ገብረሚካኤል

ብሽም ወ/ሮ ሶፍያ መሓመድ ኣሕመድ ባሙሽሙሽ ኣብ ምም/ከባቢ ገዛ ባንዳ ጎደና ማርሳ ተኽላይ ቁ.ገዛ 26 ፕሎት 13 ስፍሓቱ 504.64 ት/ሜ ብንብረት ቁ.መዝገብ 36838/55358 ተመዝጊቡ ዝርከብ ገዛይ ስለዝሸጥክዎ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ። እንተዘይኮይኑ ናብ ሽም ዓዳጋይ ከመሓላልፎ ምዃነይ ይሕብር።

ሶፍያ መሓመድ ኣሕመድ ባሙሽሙሽብወኪል ዘርኣይ ገ/ሂወት

ኣቶ ኣለም ተወልደ ግርማጼን ዝተበሃልኩ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዞባ 2 ምምሕዳር 12 ጎደና ተከዘ ፕሎት 4 ፓርሰል I ክፋል ስፍሓት መሬት 250 ት/ሜ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ባባይቲ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 117050 መወከሲ ቁጽሪ 100670 ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብስም ሂወት ወልደዮውሃንስ ወልደሚካኤል ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ወላዲት ኣደይ ወ/ሮ ሂወት ወልደዮውሃንስን ብውህብቶ ስለዝሃበትኒ፡ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ኣቶ ኣለም ተወልደ ግርማጼን

ናጽነት ሰመረ ከፈላ ዝተብሃልኩ፡ ኣብ ኣስመራ ን/ዞባ ደ/ምዕራብ ከባቢ 02 ቲራቮሎ ፕሎት 148 ፓርሰል 4 ዝርከብ ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብንብረት ቁ.መዝ 57347 ጠቕላላ ቁ.መዝገብ 94521 ብዕለት 11/12/2001 ብስም ኤልሳቤጥ ኣይንኣለም ዝተመዝገበ፡ ስፍሓቱ 312.5 ት/ሜተር ዝኾነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ካብ ወ/ሮ ኤልሳቤጥ ኣይንኣለም +1 ስለዝዓደግክዎ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ናጽነት ሰመረ ከፈላ

ተኽለ ኣድሓኖም በርሀ ዝተብሃልኩ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ ምም/ከባቢ ቲራቮሎ ጎደና እምባ ሳይም ቁ.ገዛ 88 ዚፕ ኮድ 1A745 ፓርሰል ቁጽሪ ASP0007546 ዝርከብ ኣብ 400 ት/ሜተር ዝተደኮነ ገዛ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ብቁጽሪ መለለይ ንብረት 1፡005881/1 ብዕለት 21/8/2013 ብስም ኣረጋሽ መስፍን ግደ +7 ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ስለዝዓደግክዎ፡ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ተኽለ ኣድሓኖም በርሀ

ብሽም ኣቶ እስቲፋኖስ እማሃ ተወልደመድህን ዝተመዝገበ፡ ቁ/ፍቓድ ዋኒን ASL00001211 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ጎደና ተጋደልቲ ቁ/ገዛ 47 ዝርከብ ቤት መግብን መስተን ንግዳዊ ትካሎም ንኣቶ ገብሪሂወት ፍ/ጽየን ገ/ገርጊሽ ስለዝሸጥኩሎም፡ ብሽም ሸያጢ ይግባኣኒ’ዩ ዝብል ኣካል እንተደኣሃልዩ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ ይቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቆጺሩ ናብ ሽም ዓዳጊ ከምነመሓላልፎ ነፍልጥ።

ኣቶ እስቲፋኖስ እማሃ ተወልደመድህን

ብስም ኣማረሽ ወልደኣብዝጊ ወልደገብሪኤል ኣብ ዞባ ማእከል ምምሕዳር ማእከል ከተማ ጎደና ከስከሰ ዚፕ 176 ቁጽሪ ሊብሬቶ 109357 መ.ቁ 109349/109350 ሎታ 30 ፓርሰል ዞና A ስ/መሬት ስሩሕ ገዛ 238.79 ት/ሜ ተመዝጊቡ ዝርከብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ንኣቶ ዳኒኤል እምባየ ገብረኣምላኽ ስለዝሸጥኩሎም፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ።

ኣማረሽ ወልደኣብዝጊ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

በረኸት ሙሉጌታ መኮነን፡ ስም ኣደይ ኣለማሽ በርሀ ገብረእየሱስ ምባል ተሪፉ፡ ጸጋ ገብረሂወት ሓጎስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/1/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

ወ/ሮ መኣዛ ጎይትኦም ግብረቱ፡ ኣሞና ወ/ሮ ሂወት ተወልደመድህን ገብረመስቀል ስለዝሞተት፡ 2 ብሂወት ዘለዉ ናይ ነ/ፍ ጽገሃና ተወልደ መድህን ተተካኢ ሓደ፡ ነ/ፍ ጎይትኦም ግብረቱ ተተካእቲ 3 ደቆም ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልንና ስለዝበሉ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሰናይት ግደይ ኣርኣያ፡ ወላዲና ግደይ ኣርኣያ ተኽለሚካኤል ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረግአጸልና ስለዝበለት ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/1/15 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ኣቶ ተስፋማርያም ባህታ ካሕሳይ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ሓዳስ መንግስትኣብ ካሕሳይ ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቃ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/2/15 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ወ/ሮ ኣስመረት ተስፋማርያም ስብሃቱ በዓል ቤተይ ኣቶ ተኽለማርያም ገብረሚካኤል ብርሃነ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 9 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን16/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ወ/ሮ ምብራቕ ተስፋይ ገብረማርያምን ኣቶ ተኽለማርያም ተኽለሃይማኖት ገብረኪዳንን ወድና መድሃኔ ተኽለማርያም ተኽለሃይማኖት ስለዝተሰውአ፡ ንሕና ወለዱ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/1/15 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ከሳሲት ወ/ሮ ለተብርሃን ገብራይ፡ ምስ ተኸሳሲ ኣቶ ኤልያስ መስመር ሰብ ቃልኪዳን ኔርና እንተኾነ ወኪል ተኸሳሲ ምስ ከሳሲት ክረዳዳእ ስለዘይከኣለ፡ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ሓዳር ብምዃኑ ተኸሳሲ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን3/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ጉዳይ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሰግዶ

ኣቶ ሚካኤል ጻዕዳ ክፍለ፡ ወላዲና ጻዕዳ ክፍለ ገብሩ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/1/15 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

ኣቶ ተኽለ መኮነን፡ ኣቦና መኮነን ንጉሰ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ ዓዲ ሸኻ

ሰጊድ ክፍሎም ዘርአጋብር በዓልቲ ቤተይ ፍቅርቱ ተወልደመድህን መዘንግዕ ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን1/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ መርሓኖ

ሞግዚት ወ/ሮ ሳባ ተስፋማርያም፡ 1.ራሄል ጎይትኦም ገብረማርያም 2.ፌሩዝ ጎይትኦም ገብረማርያም ኣቡአን ጎይትኦም ገብረማርያም ሃብተ ስለዝተሰውአ፡ ኣደአን ኤልሳ ተስፋማርያም ተላ ስለዝሞተት፡ ወረስቲ ናይ ኣቡአንን ኣደአንን ምዃነን ይረጋገጸለን ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን4/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቅናፍና

ወ/ሮ ኣኽበረት እዮብ ገብረመድህን በዓል ቤተይ መጀር ሃብተማርያም እያሱ ገብረማርያም ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 9 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን1/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ዓዲ ተከሌዛን

ኣቶ ግደይ ተኸስተ ገብረማርያም ምባል ተሪፉ፡ ግደ ተኸስተ ገብረማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም

እንተሎ፡ ን26/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከረን

ዕስማ እስማዒል ጃብር ምባል ተሪፉ፡ ኣስማ እስማዒል ጃብር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን15/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ወ/ሮ ለተዝጊ ፈካክ መሓሪ በዓል ቤተይ ኢዮብ ኣርሃ ኣብራ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ግዳላት ሓጋዝ

1.ኣምና ሑሰን መሓመድ 2.ኣቶ ኢብራሂም ሑሰን መሓመድ፡ ወላዲትና ታደለሽ ኪዳነ ስለዝሞተት፡ ንሕና ደቃ ኣብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ዓዲ ዃላ

ወ/ት ኣርሴማ ገብረክርስቶስ ክፍሉ ምባል ተሪፉ፡ ኣርሴማ ገብረክርስቶስ ተኽለኣልፋ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዓዲ ቐይሕ

መሓመድ ሙሳ ዓብደላ ምባል ተሪፉ፡ ኣደም ከሊል መሓመድ ዮሴፍ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/2/15 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ።

ጸሮናኣንጎሶም ዘርእሰናይ ተኽሉ ምባል ተሪፉ፡ ኣንጎሶም ኣለማዮ በላይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/2/15 ኣብ

ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ድባርዋ

ከኾብ ክፍለ ሃይለ፡ ወላዲትና ለተብርሃን ምሕረትኣብ ተስፋንኪኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ ሓፍተይ ዮዲት ነጋሲ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና

ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/2/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኩዶፈላሲወ/ሮ ኣሪያም ገብረብርሃን ዘርፋኤል በዓል ቤተይ ተጋ/ዘካርያስ ሞባእጽዮን ደብረጽዮን ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/1/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 7: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 7

መጽሓፍ ጽባሕ!

ዘይሰምዐ እንተ’ሎ!!

መጽሓፍ ጽባሕ!ኵሉ ህይወቱ ከመሓይሽ ዝደሊ ሰብ

ከንብባ እትግባእ መጽሓፍ!

ብኤርምያስ ሰሎሞን

እታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ወትሩ ዓርቢ እናተሓትመት ዓቢ ተቐባልነት ዝረኸበት ዓምዲ ‘ጽባሕ’ ዝያዳ ወቂባን ተወሃሂዳን ብመልክዕ መጽሓፍ ቀሪባ ኣላ!

- ህይወት ከም ድላያ ክትጻወተልካ እንተ ደሊኻ። ንግዜኻ ከም ድላይካ ተጻወተሉ!

***- ንኽትህብትም እምበር። ንኽትደኪ

ዝዓግተካ ዋላ ሓደ ነገር የልቦን!

መጽሓፍ ጽባሕ ኣብ ስቴሽነሪታት ኣውገት። ጋለሪ። ኮታሪ። ካቴድራል። ሰላም። መረብ። ሚልካና። ኤርትራ። ኒያላ። ዮሴፍ። ሃገረ መጻሕፍቲ። ማይተመናይ ወዘተ. ኣላትኩም!

ንዝያዳ ሓበሬታ ብቝ.ስልኪ 07143877/ 07346705 ተወከሱ

ትሕዝቶ መጽሓፍ ዝተፈትሑ ግድላት ድግማ ዝተገልጹ ሕቶታት ድግማ ዝተዓየዩ ሕቶታት ጀነራል

10 ዓመት (2005-2014) መግለጺ ምስ ኣብነታት ስእላዊ መረዳእታታት Model Exams መልሲ ናይ Model

Exams

GENERAL WINNERS in

Maths Science S. Studies English

Grade 6, 7 & 8

ሓዳስ መጽሓፍ

ንተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ

4 ዓይነት ትምህርቲ

ስነ-ቍጽሪ፡ ሳይንስ፡ ማ/ትምህርቲ፡ እንግሊዝኛ

ኣብ ውሽጢ 3 ክፍልታት

6ይ፡ 7ይ፡ 8ይ

ብኽፍልታት (grades)፡ ብዓ/ትምህርቲ (subjects)፡ ብምዕራፋት (units)፡ ብኣርእስትታት (topics) ተኸፋፊላ ዝተዳለወት ኣዝያ ሓጋዚት መጽሓፍ ኣብ ስተሺነሪታት ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ሰፊሕን ኣጠቓላልን ትሕዝቶ ምስ

ሰሓቢ ኣቀራርባ! ንሓበሬታ 07142402 07461121 07116587

6ይ-8ይ ክፍሊ

ኣከፋፋሊ ንዞባታት፦ ሱኒታ ስተሺነሪ ቴለ 124009

ምልክታ

ወ/ሮ ኣቫ ኣሊቸ ኡቱጃን ኣራም ዋንነተይ ዝኾነ ገዛ ብስመይ ዝተመዝገበ ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ ከባቢ ማእከል ከተማ ዚፕ ኮድ 1A173 ጎደና ቦሎኛ ቁጽሪ ገዛ - በዓል ሓደ ደርቢ ዝዓይነቱ ህንጻ ቁጽሪ ፓርሰል/ዞን ASP00009634 ፕሎት 20R ፓርሰል B ኣብ ሚኒስትሪ መሬት ማይን ኣከባብን ቤ/ጽ ካዳስተር ብመለለይ ቁጽሪ ንብረት 1፡007061 ብዕለት 30/10/2013 ዓ.ም ዝተመዝገበ፡ ብቀንዲ ክፍልታት 19 ሓገዝቲ ክፍልታት 11 ዝቆመ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት 887.50 ት/ሜ ዘለዎ ክሸጦ ስለዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ቤት ጽሕፈት ኖታዮ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣቫ ኣሊቸ ኡቱጃን ኣራም

ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓሚቕ ኣፍልጦን ተመክሮን ኣብ ምፍራይ ውጽኢት ጡጥ ዝኾኑ ካናቲራታትን ክዳውንትን ዝነጥፍ ትካል እዩ።እንሆ ድማ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘገልግል ፍርያት ጡጥ ዝኾኑ ዝተፈላለየ ካናቲራታት ፣ ፒጃማ ፣ ኣንሶላ ፣ ጃኬት ፣ ኮምፕላስዮን ፣ ስረ ፣ ካምቻ ፣ ጋዎን ፣ ቅጥኒ ወዘተ ሰሪሑ ንዕዳጋ ቀሪቡ ንዓማዊሉ ጆባእ ይብል።ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ ርሑስ ሓዱሽ ዓመትን በዓል ልደትን ይግበረልና እናበለ ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ልደትን ካብ 29 ታሕሳስ 2014 ክሳብ 17 ጥሪ 2015 ዝጸንሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ኣብ ኩሉ ፍርያቱ ጊሩ ሃየ ብሉጽ ፍርያትና ወንኑ ይብል።

ኣብ ኣስመራ፦ ኣብ ድኳን ትካል ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳኖራ ቁ. ቴለፎን 186405/182967/182387 -ኣብ ድኳን ሃብተ ተድላ ጎደና ከረን ቁጽሪ 29ኣብ ከረን፦ ቢንያም ቡቲክ ጥቓ ጅራ ፍዮሪ ቁ.ቴሌፎን 07127891 -ባና ቡቲክ ገዛ ወረቐት(መገዲ ኣስመራ) ኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጅራ ፍዮሪ ቁ.ቴሌፎን 07188910ኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ ቁ.ቴሌፎን 07163868

ቀሪብልኩም ኣሎ።ብጽሑና ብጽፈትን ዓይነትን ፍርያትና ፣ ምቑሉል ኣገልግሎትናን ርትዓዊ ዋጋናን ክትዓግቡ ኢኹም!ብተወሳኺ ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ ፍርያቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ወሲዶም ከከፋፍሉ ይኹን ክሽጡ ንዝደልዮ ማዕጾና ክፉት እዩሞ ተወከሱና።

ቁ.ቴሌፎን፦ 186405/182943/182387ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ

ዓቢ ምጉዳል ዋጋERITEAN TEXTILE INDUSTRIES P.L.C.

ኢንዳስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ማ

Page 8: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 8

ሃብቶም ጸጋይ

እዛ እንነብረላ ፕላኔት ምድሪ ከም ኩለን ፕላኔታት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ትፍጽም’ያ። ነዚ ኣብ ቅናት ጸሓይ እተካይዶ ሓደ ዑደት ንምዝዛም ከኣ ናይ ሓደ ዓመት ወይ ድማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ይወስደላ። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ምድሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዚያት ብርሃን ጸሓይ ክረኽቡን ብኣንጻሩ ድማ ካብ ብርሃን ጸሓይ ክቦኽሩን ይረኣዩ። ንኽልተ ጫፋት ምድሪ ምስ እንዕዘብ ግና እዚ ክውንነት ዝተፈልየ ኮይኑ ንረኽቦ። ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታታት ምድሪ ካብ ካልኦት ከባቢታት ዓለምና ብዝተፈለየ ኣገባብ ብርሃን ጸሓይ ንብዙሕ እዋናት ከየቋረጸ ክበርቕ ከሎ፡ ብኣንጻሩ’ውን ንብርክት ዝበሉ ግዚያት ከኣ ብርሃን ጸሓይ ዘይብሉ ጸልማት ኩነታት ክፍጠር ይረኣይ’ዩ። ብፍላይ ኣብተን ኣብ ሰሜናዊ ቅናት ኣርክቲክ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ቅናት ኣንታርክቲክ ዝርከባ ሃገራትን ቦታታትን፡ ብርሃን ጸሓይ ን24 ሰዓታት ከየቋረጸ ዝበርቀሉ እዋን ኣሎ። እዚ “ጸሓይ ፍርቂ-ለይቲ” ተባሂሉ ዝግለጽ ተርእዮ ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣብ ሰነ 21 ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ድማ ኣብ ታሕሳስ 22 ይኽሰት።ነዚ ባህርያዊ ፍጻመ ዝኾነ ክስተት ናይ ምዕዛብ ዕድል ዝገጠሞም እቶም ኣብ ሰሜናዊ ቅናት ኣርክቲክ ዝርከቡ ህዝብታት’ዮም። ምኽንያቱ ኣብ ደቡባዊ ቅናት ኣንታርክቲክ ዝፍለጥ ህዝቢ ዝቕመጠሉ ዝኾነ ቦታ የለን። በዚ መሰረት’ዚ ን24 ሰዓታት ከየቋረጸ ዝቕጽል ህላወ ብርሃን ጸሓይ ዝዕዘባ ሃገራት ካናዳ (ዩኮን፡ ኑናቩትን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከባ ቦታታት’ታ ሃገርን)፡ ግሪንላንድ፡ ኣይስላንድ፡ ኖርወይ፡ ፊላንድ፡ ሩስያ፡ ሽወደን ከምኡ ድማ ኣላስካ ዝተባህለት ክፍለ ሃገር ኣመሪካ እየን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ

ከባቢ’ዘን ክልተ ዋልታታት ምድሪ ዝርከባ ቦታታት ካብ ካልኦት ሃገራትን ቦታታትን ዓለም ዝተፈለየ ናይ ጸሓይ ምብራቕን ምዕራብን ኩነታት’ዩ ዝረኣየለን። ንኣብነት ንሃገረ ፊላንድ እንተርኢና፡ ዳርጋ ርብዒ ክፋል’ታ ሃገር ኣብ ሰሜናዊ ቅናት ናይ ሰሜናዊ ዋልታ (ኣርክቲክ) ዝርከብ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ክፋል ፊላንድ ኣብ ግዜ ሓጋይ ጸሓይ ምስበረቐት ንልዕሊ 60 መዓልታት ከይዓረበት ትጸንሕ። እዚ ማለት 60 መዓልታት ለይቲ ወይ ጸላም ዝበሃል የለን ማለት’ዩ። ኣብታ ተቐማጦ ዝርከቡዋ ሰሜናዊ ጫፍ ኣህጉር ኤውሮጳ ዝኾነት ኖርወይ፡ ካብ 19 ሚያዝያ ክሳብ 23 ነሓሰ ዘሎ ግዜ ጸሓይ ኣይትዓርብን’ያ። ኣብ ዋልታታት ምድሪ ግን

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዓበየ ናይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ውድድር’ዩ። ላዕለዋይ በዓል መዚ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካፍ (ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ) ዝካየድ ውድድር መርኣዪ መድረኽ ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ዝኾነ’ዩ። ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 1957 ብዉሳነ መስረት’ቲ ኣባላት ሃገራት ካፍ’ዩ ፈሊሙ። ኣብ ቦኾሪ ውድድር ድማ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ክሳተፈ ከለዋ፡ እታ ራብዓይቲ መስራቲት ኣባል ካፍ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ

ግን ምስ ስርዓት ኣፓርታይድ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ካብቲ ውድድር ተኣለየት። ኣብቲ ውድድር ድማ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ንመጋጥምታ ብምርታዕ ንፈላሚት ጽዋዕ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትዓትር በቒዓ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት (ሓንሳብ’ውን ክነውሕን ክሓጽርን ይረአ) ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ልዕሊ 60 ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ውድድራት ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ንዘርኣይዎ ብሉጽ ብቕዓት ተኸቲሉ ናብ ደረጃ ፕሮፌሽናል ዝተሰጋገሩ ክህልዉ ከለዉ፡ብርክት ዝበሉ ኣገረምቲን ኣደነቕትን ፍጻሜታት ድማ ተሰኒዶም ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ነዚ

ውድድር ዝበዝሐ ዝተዓወተትሉ ሃገር’ያ። ንቦኽሪ ዋንጫ ውድድራት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደሚርካ ሸውዓተ ግዜ

ሕቶ ንሃብሮም 1. ርእሰ ከተማ ኣውስትራሊያ መን ትበሃል?ሀ. ካንቤራ ለ. መልቦርን ሐ. ሲድኒ መ. ኦክላንድ2. ንስርዓተ ስራሕ (operating system) ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት “ኣንድሮይድ” ዝምህዝ ትካል ኣለሊ?ሀ. ኩባንያ ኣፕል ለ. ኩባንያ ጉግል ሐ. ኩባንያ ሶኒ መ. ኩባንያ ሳምሱንግ 3. ካብዞ ዝስዕቡ ኣዕጽምትና ዝጠልቦ ኣገዳሲ ማዕድን እንታይ ኢዩ ?ሀ. ሓጺን ለ. ካልሲዩም ሐ. ማግነሺዩም መ. ኩሎም መልሲ ኢዮም 4. ወግዓዊ ቋንቋ ሃገረ ካናዳ እንታይ ኢዩ? 5. ናይ 2015 ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኤስያ ንመበል ክንደይ ግዜኡን ኣበየነይቲ ሃገርን ይካየድ ኣሎ?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቶ ንሃብሮም

1. ሀ 2. ሐ 3. ለ 4. ሐ 5. ለ

ኣገራሚ ባህርያዊ ክስተት ጸሓይ፡ ኣብ ፕላኔት ምድሪ

ጸሓይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሉእ ክትበርቕን ንልዕሊ ፍርቂ ዓመት መመላእታ ብርሃን ጸሓይ ዘድመቖ ናይ መዓልቲ እዋን ይረኣይ።ብኣንጻር’ዚ ክግለጽ ዝጸንሐ

ክውንነት፡ ጸሓይ ከይበረቐት ጸላም ዝነገሶ እዋን ዝረኣየሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። እዚ ባህርያዊ ፍጻመ “ፖላር ናይት” ተባሂሉ ዝግለጽ ተርእዮ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘጋጥም ኮይኑ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጸሓይ ካብቲ ንቡር ደረት ትርኢት ትሒታ ትጸንሕ። እዚ ኩነታት ኣብ ክልቲኡ ዋልታታት ዓለም ምስዝኸውን ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ’ዩ። ኣብ ኣርክቲክን ኣንታርክቲክ ዝስመን ዋልታታት ምድሪ ሓንሳብ ጸሓይ ምስ ዓረበት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከየበረቐት፡ ጸልማት ዝበሓቶ ናይ ለይቲ እዋን ይኽሰት። እዚ ባህርያዊ ትንግርቲ፡ ኣብ

ልዕሊ ደቂሰብ ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣቕሊልካ ዝረኣይ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ግዜ መዓልቲ (ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዝህልወሉ) ክድቅሱ ዘይክእሉ ሰባት፡ ነቲ ካብ ሰሙናት ክሳብ ናይ ኣዋርሕ ግዜ ዝቕጽል ዘየቋርጽ ብርሃን ጸሓይ ተኸቲሎም ብስእነት ድቃስ ዝኣክል ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዝበጽሑ ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ በዚ ባህርያዊ ፍጻመ “ሃይፖማኒያ”

ብዝበሃል ሕማም ዝጥቕዑ ብቑጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብሃፖማኒያ ዝተጠቕዑ ሰባት ዕረፍቲ ዘይብሉ ቀጻሊ ምንቕስቃስ ከዘውትሩን ነዳሪ ባህርያትን ከርእዩን’ዮም ዝጅምሩ። ብካልእ ወገን’ውን ተርእዮ “ጸሓይ ፍርቂ-ለይቲ” ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ጸላዊ ተራ ኣለዎ። ንኣብነት ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣብ ወርሒ ሮመዳን ኣብ ግዜ መዓልቲ ይጾሙ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ድማ ጾመ-ልጓሞም ይፈትሑ። ይኹን እምበር ኣብዘን ጸሓይ ከይዓረበት ንልዕሊ 24 ሰዓታት ትጸንሓሉ ቦታታት ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ክጽገሙ ይረኣዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ እምነት ምስልምና ግዴታ ዝኾና ናይ ጸሎት ሰዓታት ዝውሰነለን ምስ ቦታ ጸሓይ ተኣሳሲረን ብምዃነን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ብዙሕ ምዝንባላት’ዩ ዝኽሰት። ነዚ ንምትዕርራይ ድማ’ዮም ኣብ ከባቢ ዋልታታት ምድሪ ዝነብሩ ኣመንቲ ምስልምና ንሰዓታት እታ ቅድስቲ ከተማ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾነት ከተማ መካ ከም መወከሲ ዝጥቀሙ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ትርከብ ከተማ መካ ስሩዕ ዝኾነ ናይ ጸሓይ ምብራቕን ምዕራብን ተርእዮ ዝረኣያ ቦታ’ያ።

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ

ተዓዋቲት ክትከውን ክኢላ። ብፍላይ ካብ 2006 ክስብ 2010 ንዝተኻየዱ ውድድራት ኣከታቲላ ብምዕዋት ታሪኽ ዝሰርሓትሉ እዋን ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ’ታ ሃገርን ኣህጉር ኣፍሪቃ ወርቃዊ ግዜኣ’ዩ ነይሩ። ኣብ 1994 ንዝተገብረ ውድድር ዝተዓወተት ናይጄሪያ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝተኣንገደ ውድድር ዘይምስታፋ ኣደናቒ ፍጻመ ኣብ ታሪኽ’ቲ ውድድር’ዩ። ምኽንያት ዘይመሳተፊ ናይጀሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጉዳይ ኣፓርታይድ ዝነበራ ቅርሕንቲ

ከምዝኾነ ይግለጽ። በዚ ድማ እቲ ናይ 1996 ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይ ተሳትፎ ሻምፒዮን’ዩ ተኻይዱ። ካልእ ምስ’ዚ ውድድር

ተኣሳሲሩ ዝግለጽ፡ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ዛምቢያ ዝፈጸሙዎ ቅያ’ዩ። ኣብ 1993 ዳርጋ መብዛሕትኦም ተጻወትቲ ዛምብያ ኣብ ጋቦን ብዝበጽሖም ሓደጋ ነፋሪት ሂወቶም ምስኣኖም ዝዝከር’ዩ። ኣብ 2012 ኣብ ጋቦን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብቲ ናይ ሓደጋ እዋን ድሕሪኡን ብዝተወለዱ መንእሰያት ተጻወት’ቲ ዝተተኽተኸት ዛምብያ ዘውዲ ዓወት ብምድፋእ ነቶም ቅድሚ 20 ዓመት ክቡር ህይወቶም ዝሰኣኑ ደቂ ሃገሮም ኣቕሲኖምን ሃገሮም ኣሕቢኖምን። እዚን ካልእን ፍጻሜታት ዝሰነደ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ክካየድ’ዩ።

Page 9: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 9

ወግዒ ብሓሳባትዳንኤል ሰመረ

ብዛዕባ መጻኢና እንተ ንሕተት፡ መልስና ካብ ሓደ ናብ ሓደ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ዝሓሸ፡ ዝበዝሐ፡ ዝጸበቐ፡ ዝዛየደ ዝብላ ቅጽላት ሓባራዊ ሕላገት ኮይነን ም’ተረኽባ። ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ገዛ፡ ጽቡቕ ኣታዊ… ዝሓሸ ናብራ፡ ዝሓሸ ኣገልግሎት… ዝያዳ ሃብቲ፡ ዝያዳ ምቾት… ይትምነን ይደልን። እዚ ድሌትን ትምኒትን ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ እምነ ኩርናዕ ምዕባለን ስልጣነን እዩ። ምኽንያቱ ዝያዳ ክንሰርሕን ክነፍርን ዝድርኽ ባእታ ዝሓዘለ ስለዝኾነ። ዝሓሸን ዝያዳን ምድላይ እንተ ዘይህሉ፡ ዝያዳ ምስራሕ ስለዚ ኸኣ ምዕባለ ይኹን ስልጣነ ኣይምሃለወን። ክንድዝኾነ እዚ ኪኖ ሰብኣዊ ባህሪ፡ መሰረት ታሪኽ ምዕባለ ደቅሰብ ነይሩን እዩን። መጻኢና’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን።

ወድሰብ ፈለማ ዝያዳ ምድላይ ዝጀመረ፡ ነተን መሰረታውያን ጠለባት ህይወት (መግቢ፡ ማይን መዕቆብን) ከማልእ ምስ ከኣለ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድሌት ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘመነ-ኣህላኽነት በጺሑ ይርከብ። ዘለናዮ ጊዜ ወድ ሰብ ኪኖ ነተን ሰለስተ መሰረታውያን ጠለባት ህይወት ምምላእ ሰጊሩ ንምቾት ዝጣፍኣሉ ጊዜ እዩ። እንተኾነ እዚ መጎት’ዚ ንምዕራባውያንን ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብን ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ክህባ ዝከኣላ ሃገራትን ጥራይ ኮይኑ ይርከብ። ንመብዛሕትኦም ኣብ ቁጠባአን ጌና ዘይማዕበለ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ግን ሕጂ’ውን እንተኾነ ምምላእ እተን መሰረታውያን ጠለባት ህይወት ካብ ርጉጽነት ዝረሓቐ ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ነዘን ጠለባት ኣማሊኦም፡ ድሌታቶም ኵኖኡ ክሰግር እምበኣር ብተወፋይነት ንመጻኢኦም ኣብ ግምት ዘእተወ ከቢድ ስራሕ ይጽበዮም ኣሎ። ስለ’ዚ ብዛዕባ መጻኢና ክንሓስብ ከለና፡ ቀዳምነታትና ብግቡእ ክንርዳእ ኣገዳሲ እዩ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ከብዲ ከይጸገበ ብዛዕባ ምውናን ማኪና ክንሓስብ ዘይወድዓዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከወጻጽኣና ኣይኽእልን። እዚ መጎት ከም ውልቀሰባት እንተላይ ከም ሕብረተሰብን ሃገርን’ውን ዝምልከተናን ኣገዳስነት ዘለዎን እዩ። እዚ፡ ምቾት ኣይንድለ ወይ ማኪና ምውናን ክንሓስቦ የብልናን ማለት ዘይኮነ፡ ቀዳምነታትና ዘማእዘኖ ድሌታት ይሃልወና ንምባል እዩ።

እንተኾነ፡ መንእሰያትና ብድፍኢት ዘመን ኣምጽኦ ቅዲ ኣነባብራ ምስ ክውንነትና ዘይቃዶ ኣካይዳ ክኽተሉ ነስተብህል ኣለና። ኩላትና ከም ‘ንፈልጦ ዓለምና ብሳላ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ብተራእዩ ዘይፈልጥ ናህሪ ትጸብብ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኢና ዘለና። እዚ ክውንነት ከኣ ናይ ሓሳባት፡ ባህልታትን ሓበሬታን ዕልቕልቕ ብምፍጣር ነንሕድሕዶም ዝተሓናፈጽሉ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዝፈሓፍሑሉን ዝገራጨውሉን ኩነታት ኣስዒቡ ይርከብ። ሽሕ’ኳ ካብዚ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ ብዙሕ ክንረብሕ ከም ንኽእል ዘማትእ እንተ ዘይኮነ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታትን’ውን ኣስዒቡ እዩ። ንዘመናት ብህድኣት ረጊአን ዝነበሩ ሕብረተሰባት፡ ክብርታቶምን ባህሎምን በዚ ሓድሽ ተርእዮ’ዚ ክዝረግ ካብ ዝጅምር ረፋፊዱ’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ጽልዋ

ናይ’ዚ ኩነት ከኣ ኣብ መንእሰያት ብሰፊሑ ዝርአ ቀዳምነታቶም ናይ ዘይምፍላጥን ኣንፈት ምስሓትን ተርእዮ ከም ቀዳማይ ዘተሓሳስብ ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል። ኣብ’ዚ ክትኮረሉ ዝግባእ ነጥቢ፡ ከም ውጽኢት እዚ ተርእዮ’ዚ መንእሰያትና ብዘመን ኣምጽኦ ባዕዳዊ ባህሊ ክቱር ሓሻሽነትን ኣህላኽነትን ተጸልዮም ቀዳምነታቶም ብንጹር ክሰርዑ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ኣለዉ ዝብል ስግኣት እዩ። ዕቤት ናይ’ዚ ስግኣት ንምምርማር፡ ሓደ ንጹር ግን ከኣ ምናልባት ብዙሕ ጊዜ ሸለል ንብሎ ሓቂ ተመሊስና ክንርኢ።

ኣብ ርእሲ እቲ ዘይማዕበለት ሃገር ምዃና፡ ሃገርና ብዙሕ ዕድል ተነፊግዋ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ብተደጋጋሚ ከም ዝግለጽ’ውን ኣብ ናጽነት ዳርጋ ካብ ባዶ ክንጅምር ነይሩና። እዚ ሓቂ ዝቕስቦ ነገር እንተሃልዩ ኸኣ፡ ኣብ ዝኾኑ ንገብሮም ንጥፈታት፡ ከም ውልቀሰባት ይኹን ከም ሃገር፡ ጻዕርና ብዝተዓጻጸፈ ዓቐን ክዛይድ ከም ዝግብኦ እዩ። ካልኦት ሃገራት በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃ ክንበጽሕ እንተ ድኣ ኾይንና፡ እዚ ፈቲና ጸሊእና ክንቅበሎ ዘለና ሓቂ እዩ። ነዚ ክንገብር ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ከኣ ሕቶ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ንቕሓት እምበኣር ከም ውልቀሰባትን ሃገርን ንቐዳምነታትና ኣብ ምስራዕ መቓን ዝኾነና ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ እዩ ኸኣ መራኸቢ ብዙሃን ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ጠፈር፡ ኑክሌር፡ ፋሽን ክዛረቡ፡ ናይ ሃገርና ብዛዕባ ርእሰ-ምርኮሳ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ጽርግያን ካልኦትን ዝዛረባ።

ኣብ’ዚ ብንጹር ናይ ቀዳምነታት ፍልልይ ይረአ። ክንርስዖ ዘይግበኣና ነጥቢ ግን እዞም ሕጂ ንዓና ቀዳምነታት ዘለዉ ነገራት ኣብ ሓደ ደረጃ ታሪኽ ናይ’ዞም ዝማዕበሉ ሃገራት ቀዳምነታት ነይሮም እዮም። እንተኾነ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኮይኑሎም እዞም ሃገራት ብዘይ ናይ ካልኦት ተጻብኦን ምትእትታውን ዝማእምኦም መስመር ምዕባለ ክኽተሉ ዝያዳ ናጽነት ነይርዎም። በዚ መንጽር ክረአ ከሎ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝረከባ ሃገራት፡ ብቐጻልን ኣዕናውን ባዕዳዊ ተጻብኦታትን ምትእትታውን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ባህላዊ ወራራት ይተዓናቐፋ ብምህላወን ዕድል ኣይገበራን ክበሃል ይከኣል። ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባት መጎዓዝያን ዘለናዮ ጊዜ ነዚ ብድሆ ኣጋዲድዎ ይርከብ። ከም ኣብ ኩሉ ከኣ ኣብ’ዚ እውን መንእሰያት እቶም ቀዳማይ ግዳይ እዮም።

ነገራዊ ሸነኽ ገዲፍና ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምዕባለ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ፡ ዓይነታውን ብሉጻት ክብርታት ዘለዎን ሰብኣዊ ጸጋ ዝተዓደለ እዩ። ጻዕራም፡ ውፉይ፡ ስነ-ምግባራዊን ናይ ምግባር ድሌት ምህላውን ዝኣመሰሉ ብሉጻት ክብርታት ዝውንን’ዩ። ከም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ግን ምስ ዝያዳ ምርኻብን ንናይ ባዕዳውያን ባህልታት ምቅላዕን፡ ክብርታት ሕብረተሰብን ቀስ ብቐስ እናተፋሕረ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ’ዚ ኣንሳፋፍን ኣጋጋይን ጊዜ እምበኣር መንእሰያትና፡ ንውሁብ ኩነታትና ኣብ ግምት ዘየእቱ ክቱር ኣህላኽነትን ሓሻሽነትን ክተዓሻሸዉን፡ ንቀዳምነቶም ዘንጊዖም ክህውትቱን ይረኣዩ’ለዉ። እዚ ኸኣ ንመጻኢኦም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ ይርከብ። ተማሃሮና በዚ ተርእዮ ብሕሱም ካብ ዝተጠቕዑ ክፋል መንእሰያትና ምዃኖም ከኣ ነዚ ብቐደሙ’ውን ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ዝገደደ ዝገብሮ።

ክቱር ኣህላኽነትን መኣዝኑ ዝሰሓተ ሓሻሽነትን ግን ነቲ ነዚ ጉዳይ ዝደረኸ ክፋል ዓለምና ዝኾነ ምዕራባዊ ዓለም’ውን ከይተረፈ ዓቢ ብድሆ ኮይንዎ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እዚ ምዕራባዊ ዓለም ውህለላ ናብ 0% ወሪዱ ይርከብ። እዚ ክንብል ከለና ብጀካ እቲ ቁጠባውን ፋይናንስያውን ቅልውላዎም ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። እንተኾነ ቁጠባ እዘን ሃገራት ዝማዕበለን ነዚ ኩነታት ብዝተወሰነ ደረጃ ክጻወር ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑን፡ ክንድ’ቲ ቁጠበአን ዘይማዕበለ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝህሰይኦ ብጉዳይ ኣህላኽነት ከይሳቐያ ይኽእላ። ብሰንኪ ኣህላኽነት ዝመጽእ ዝኸፍአ ጸገማት ዝገሃድ፡ ሽሕ’ኳ ብንጹር ክንርእዮ ዘጸግም እንተኾነ፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ጌና ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ’ዚ ሰልሚ ምስ ዝሽመማ ምዃኑ እምበኣር ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብርግጽ ምስ ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሕሸሽ መጠን ገንዘብ ኣብ ግምት ዝኣቱ ከይመስል ይኽእል። እንተኾነ ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም ከም ዝበሃል፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝርአ ዘሎ ዕቤት መጠን ሕሻሸ፡ ብመንጽር ሓፈሻዊ እቶት ውልቀሰባትን ሃገርን እንተዝቕመር፡ ብርግጽ እቲ መጠን ቀሊል ኣይምስኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢና ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ’ውን የተሓሳስብ። ክንደይ ካባና መንእሰያት ኢና

ልዕሊ ነፍርዮ ነህልኽ? ክንደይ ኢና ኸ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጊዜ ምስ ኣዕሩኽትናን መሓዙትናን ወጺእና ንሕሽሽ? ከም’ዚ ክንገብርከ ክንደይ’ኾን ኣፍሪና ኢና? እዚ ምስ መለስና እስከ ክንደይ ካባና ብዛዕባ ምውህላል ሓሲብና ንፈልጥ? መብዛሕትኦም ተማሃሮ ዘይሰርሑን ስለዚ ኸኣ ከዋህልሉ ዘይክእሉን እኳ እንተኾኑ፡ ካብ እቶት ስድራኦም ንምሕሻሽ ጥራይ ዝጫረትዎ እጃም ኣብ ገሊኡ ዘስደምም እዩ። ብርግጽ ጊዜ ክቕየር ንቡር እዩ። ተማሃሮ ኸኣ ኣብ’ዚ ቐመር ዝኣትዉ ብምዃኖም ከም ናይ ቀደም ተማሃሮ ዘይኮኑ ዝብል ምጉት ቅቡል ኣይኮነን። ተማሃሮ ምስ ብጾቶም ኣይተሓጎሱ ማለትና’ውን ኣይኮነን። እንተኾነ ናብ’ዚ ሓጎስ ዝኽተልዎ መንገዲ ብምሒር ኣህላኽነት ክኸውን ስለዘይብሉ

ክለሳ ዘድልዮ ነጥቢ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ገሊኡ ጊዜ ከም ዝረአ ገሌኦም ተማሃሮ ዝሰርሑ እንተ ኾይኖም ከኣ ንእቶቶም ጥበብ ብዝጎደሎ ኣገባብ ከባኽንዎ ይረኣዩ። ኤርትራዊ ምሁር ስነ-ስብ ፕሮፌሰር ኣበበ፡ ኣብ ሓደ ካብ ትምህርትታቱ፡ ኤርትራውያን ሓሸሽቲ ምዃኖም ምስ ኤስያውያን ብምንጽጻር ኣረዲኡ ነይሩ። ንሱ ከም ዝገለጾ ኣብ’ዘን ሃገራት “ብሳንቲም ይነብሩ፡ ብታዕሪፋ ኸኣ የዋህልሉ”፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዘለናዮ ጊዜ እቲ ብናህሪ ዝዓቢ ዘሎ ክፋል ዓለምና ኤስያ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ናይ’ዚ ትምህርቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ፡ ናይ ምውህላል ባህሊ ንምዕባለ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑ ዘብርህ እዩ። ኣብ ኩነታትና ምስ ንምለስ እምበኣር፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዝንጸባረቕ ዘሎ ባህሊ ሓሻሽነት ብምዃኑ፡ ዘለናዮ ባይታ ዝጠልቦ ትኩርነት ንመጻኢና ክንምጥው መረዳእታና ከነስፍሕ ኣለና። ጊዜና እንትርፎ ንመጽናዕትናን፡ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘተስፉ ጸጋታት ሃገር ንዝለዓለ ረብሓ ገዛእ ርእስናን ህዝብናን ከነውዕሎ ዘድልየና ዓቕምን ማልን ነዋህልለሉ ጊዜ እዩ።

ንምጥቕላል እምበኣር እቲ ማእከላይ ነጥቢ ዛዕባና፡ ኩነታትና ብኩለንተናዊ ሸነኹ ኣብ ግምት ዘእተወ ናብራ ክንነብር ኣለና ዝብል’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ብዝግበር ዘይክውንነታዊ ሓሸውየ፡ ኣንፈት መጻኢናን መጻኢ ሃገርናን ከይንስሕት መረዳእታና ከነስፍሕ ከኣ ብልሓት’ዩ። ስለ’ዚ ዝያዳ ምድላይና ንኽውንነት ዓይንና ደፊንና ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ፡ ንዝኾነ ንደልዮ ነገር ንኽውንነትና ምርኩስ ጌርና ጥራይ ኢና ክንረኽቦ ንኽእል። እዚ ምስ ዘይከውን እቲ ንደልዮ ዝመስለና ነገር ከሀውትተናን ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣባኺኑ ከትርፈናን ምዃኑ ፈሊጥና ብኣግኡ ክንነቕሓሉ ይግባእ። ገዛ መጻኢና ኣብ ሑጻ ከይንሃንጽ ክንጥንቀቕ ለበዋ ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ኣብ መወዳእታ ዝዘራእናዮ ስለ ንዓጽድ።

ማዕረ ክዉንነትናዶ ንሓስብ?

Page 10: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 10

ዓንዶም ጸጋይ

ጄን ዋሪንግቶን ወዲ 88 ዓመት ሰብኣይ ክኸውን ከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ፓት ድማ ጓል 86 ዓመት’ያ። እዞም ክልተ ኣብ ክፍለ ሃገር ኦሃዮ ዝነብሩ ሰባት፡ ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም መማህርትን መማኽርትን’ዮም ነይሮም። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቐጸለ ምሕዝነቶም ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ፍቕሪ ማዕቢሉ ኣብ ሓዳርን ናብራን ክበጽሑ ክኢሎም። ኣብ 1946 ድማ ብወግዒ ዝተምርዓዉ እዞም ሰብ ሓዳር፡ ንዝሓለፉ 69 ዓመታት ብስኒትን ብፍቕርን ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ልክዕ ከምቲ ብሓባር ግዜ ሂወቶም ዘሕለፉ ፍጻሜ ሂወቶም’ውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብምግጣሙ ኣተኩሮ ሰባት

ኣብ ፍሎሪዳ- ኣመሪካ ሓንቲ ድሙ ብፍላጻ ኲናት ተሃሪማ ክነሳ ብተኣምራት ድሒና። እዚ ኣኪላ ዝስማ ዘቤታዊት ድሙ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ገዛኣ ድሕሪ ምውጽኣ ከይተመልሰት’ያ ሓዲራ። ኣብ ገዛ ዘይምሕዳራ ዘስተብሃሉ ወነንታ ድማ ኣንጊሆም ንምድላያ ድሕሪ ምውፋሮም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ገዝኦም ዝርከብ ናይ ጎረቤቶም ጃርዲን ከምዚ ትዕዘቡዎ ዘለኹም ትርኢት ሒዛ ጸኒሓቶም። ኣኪላ ኣብ ርእሳ ናይ ልዕሊ 18 ሴ/ሜ ቁመት ዘለዎ ኲናት’ዩ ተሸኺልዋ ዘሎ። በዚ ዘጋጠማ ሓደጋ እታ ድሙ ብሂወት

• ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት መስተ ሰቲኻ ኣይትዘዉር ዝብል መመርሒ፡ ንመራሕቲ ተሸከርከርቲ ዝወሃብ ትእዛዝ’ዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ድማ ሃዲንካ ናብ ፍርዲ ምቕራብን ግቡእ ፍርዲ ምሃብን ሓላፍነት ፖሊስ ትራፊክ ምዃኑ ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት መስተ ሰቲዮም መካይን ዝዝውሩ ሰባት ካብ ፖሊስ ትራፊክ ክሕብኡን ምስ ዝርከቡ ድማ ክሃድሙን ይረኣዩ። ኣብ ከተማ ቸሻየር- እንግሊዝ ዘጋጠመ ኩነታት ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ሓደ ስሙ

ኣስፕሪን ካብ ቅድሚ ሓያለ ዘመናት ኣትሒዞም፡ ሰባት ካብ ኣቑጽልትን ኣግራብን ፈውሲ ቓንዛን ርእስን

ቅርጥማትን ይጥቀሙ ነይሮም። ኣብ መጨረሽታ ከኣ፡ እቲ ምኽንያት ተፈሊጡ። እሱ ከኣ እቶም ኣቑጽልትን ኣግራብን “ኣክስትይልሳሊ ሳይሊክኣሲድ” ስለ ዝውንኑ’ዮም። ፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ ቀመም ካርል ገርሃርት ኣብ 1853 ኣስፕሪን ከፍሪ ክኢሉ። ኣብ 1899 ዶክተር ፍሊክስ ሆፍማን ዝበሃል ሰራሕተኛ ባየር ኩባንያ ከሚካል፡ ብዓቐን መድሃኒት ከፍሪ ጀሚሩ። የግዳስ፡ ነቲ መድሃኒት ዝኾነ ሰብ ክጥቐመሉ ዝከኣል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ቅድሚ ምግዝኦም ካብ ሓኪም ግድን ፍቓድ የድልዮም ብምንባሩ’ዩ። ኩባንያ ባየር፡ ነቲ መድሃኒት ጸኒሑ “ኣስፕሪን” ክብል ሰምዩዎ። ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለምና’ውን ነቲ ስም ሒዙ ይጽዋዕ። ኣብ ካናዳ ግን “ኤ ኤስ ኤ” ኢሎም’ዮም ዝገልጹዎ። ካብ 1915 ኣትሒዙ ኣስፕሪን ብፓኮ ተዓሺጉ፡ ኣብ ኩለን ክሕዝኦም ዝደልያ ኣብያተ ትካላት ክሽየጥ ድማ ጀሚሩ። ትርጉም ጥቕሲ

“ብስራሕ ምጽማድ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ተጸሚድካሉ ዘለኻ ዓይነት ስራሕ’ዩ ዝያዳ ዘገድስ”

ሄንሪ ዴቪድ ቶረ

ይውሓድ ይብዛሕ’ኮ ኩሉ ሰብ ይሰርሕ’ዩ። እቲ ብኾፉ መሬት ዘብርቕን ዘዕርብን ከም ምሉእ ሰብ ስለዘይቁጸር፡ ንእኡ ኣብ ግምት ከየእተና ማለት’ዩ። ኩሉ ዝሰርሕ ሰብ ይነብር። ግና ኸኣ መነባብርኡ ሓደ ኣይኮነን። ገሊኡ ለይትን መዓልትን እናረሃጸ ከይሓለፈሉ ይመዉት፡ ገሊኡ ድማ ብምጡን ስራሕ ይሓልፈሉ። እዚ ግን “ዕድል’ዩ ጥራይ ኢልና ክንሓልፎ ዝግባእ ኣይኮነ። እቲ ምንታይ ደቂሰብ ኣእምሮ ዝተዓደለና ፍጡራት ኢና። በዚ ድማ ዘዋጽኣናን ዘየዋጽኣናን እንፈልጥ ከም ምዃና መጠን፡ ሓደ ዓይነት ስራሕ ሓንሳእ ምስኣተናዮ፡ ምሉእ መዋእልና ኣብኡ ክንበሊ ግቡእ ዲዩ? ዘዕብየናን ዝርምሰናን ዓይነት ስራሕ ኣብ ምልላይ ትኩራት ክንከውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሓደ ዓይነት ስራሕ፡ መሪጽና ደኣ’ምበር፡ ጽሕፍቶና ስለዝኾነ ኣይኮናን እንርዕሞ። እቲ እንሰርሖ ዕግበት ዘይህበና፡ ጸጋና ዘየኻዕብትን ኣእምሮና ዘየማዕብልን እንተኾይኑ ግን ስለምንታይ ንቕጽሎ?

“ኦሮማይ ኣማራጺ የለን’ እቲ እንኮ ምርጫ እዚ’ዩ!” እንተኢልና ግና ኣኺሉና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ዓይንና እንተ ኣንቊሕና ኣብ ዓለም

ንኹልና ኣኺሉ ዝተርፍ ዕድላት ኣሎ። ጥራይ ነቋምት።

ፍቕሪ ንዘንተ እለት!

ክስሕብ በቒዑ። ጄንን ፓትን ዝሓለፉ ቁሩብ ግዚያት ሕማም ኣሰኒፉዎም ኣብ ሕክምና ክእለዩ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ሂወቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከብቅዕ ዝገመተ ግን ወላ ሓደ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ልክዕ ከም ዝተቖጸሩ ፍቑራት፡ እዞም ክልተ ናይ ልዕሊ 70 ዓመታት ፍቑራትን ኣብነታውያን ሰብሓዳርን ብመስከረም 27 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ጂን ኣቐዲሙ ድሕሪ ምሟቱ ሸሞንተ ሰዓታት ጸኒሓ በዓልቲ ቤቱ ፓት ዓለም ራሕሪሓ ሰዒባቶ። ካብ ኣብራኽ ክልቲኦም ዝተረኽበ ፊል ዋሪንግተን፡ ወላዲኡ ቅድሚ ሞቱ

ናብቲ ኣደኡ ደቂሳትሉ ዝነበረትሉ ክፍሊ ብምኻድ ይበጽሓ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ሞት ክልቲኦም ወለዱ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ምግጣሙ ኣዝዩ ከምዝገረሞ ኣረዲኡ። “ሂወቶም ብሓባር’ዮም ኣሕሊፎሞ፡ በዚ ድማ ሞቶም’ውን ብሓደ ዕለም ምኽሳቱ፡ ሓደ ኣቐዲሙ ንኽፍጸም ዝተዳለወ ትንበያ ኮይኑ ይስመዓኒ።” ይብል ፊል። ጄሪን ፓትን ንፊል ደሚርካ ሰለስተ ደቂ ኣለዎም። ብሂወት ኣብ ዝጸንሑለን ዓመታት ድማ 7 ደቂ ደቆምን፡ 12 ደቂ ንደቂ ደቆምን ክርእዩ ተዓዲሎም’ዮም። ፍቕሪ ክሳብ መቓብር ዝብልኹም ከምዚ’ዩ!

ብተኣምር ዝደሓነት ድሙምስራራ ኣዝዩ ዘስደመሞም ወነንታ፡ ኣኪላ ብሂወት ምጽናሓ ኣዝዩ‘ኳ እንተኣሐጎሶም፡ ፍሉይ ጻዕዳ ዝሕብሩ ጭረኣ ግን ብዘጋጠማ ሓደጋ ብምቑራጹ ኣዝዮክም ከምዝሓዘኑ ገሊጾም። ዋና ኣኪላ ወይዘሮ ታይራ ቡሉክ ነዚ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ዘውረደ ሰብ “ጨካን” ክትብል ድሕሪ ምግላጻ፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ጭካነ ይፍጽሙ ከምዘርመማ ኣረዲኣ። ኣኪላ ብዝወረዳ ሓደጋ ብህይወት ምስራራ ተኣምር ከምዝኾነ ሓካይም እንስሳ’ቲ ከባቢ ቴምፓ (ፍሎሪዳ) ገሊጾም ኣለዉ።

ዘይተገልጸ ወዲ 49 ዓመት ሰብኣይ ብመስተ ተሰኒፉ ከሎ መኪና ምምርሑ ከይኣኽሎ፡ ነታ ብናህሪ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ምስ ሓደ መደበር ፖሊስ’ታ ከተማ’ዩ ኣጋጭይዋ። እዚ ጉዳመኛ ሰኽራም ሰብኣይ፡ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ’ዩ ናብ ገዝኡ እናምርሐ ብሃንደበት ማኪና ምቁጽጻር ስኢኑ ንመናድቕ’ቲ መደበር ፖሊስ ተሳሂሉዎ። ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ሰኽራም ናብ ማሕቡስ ኣእተዉዎ።

• ኣብ ከተማ ቤልፋስት- ሰሚኣን ኣየርላንድ ሓደ ዉልቀሰብ መስተ ድሕሪ ምስታዩ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ብምድዋል ብምርባሹ ተኸሲሱ። እቲ ስቲቨን ብራውን ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ኣየርላዳዊ መንእሰይ፡ ናብ 999 ብምድዋል ፈለማ ክልተ ሰባት ኣብ ልዕሊኡ ሓደጋ ከውርዱ ይፍክሩሉ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ። ሓሙሽተ ደቃይቕ ጸኒሑ ድማ ናብ 999 ደጊሙ ብምድዋል እቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ይሕብር። ከም እንደገና ብምድዋል ድማ ስሙ ኒኪ ሚናጅ ከምዝኾነ ብምግላጽ ሓደጋ ከምዝገጠሞ ሓበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ስቲቨን፡ ኩሉ’ቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብመስተ ተሰኒፉ ዝገበሮ ምዃኑ ዝተረድኡ ፖሊስ ድማ ናብ ቤትፍርዲ’ታ ከተማ ኣምሪሖሞ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ቤልፋስት ድማ ንስቲቨን ካብ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምእጋድ ብናይ 250 ፓውንድ ዋሕስ ነጻ ለቒቑዎ። ብተወሳኺ ብዘይካ ኣብ ግዱድ ኩነታት ናብ 999 ከይድዉል እገዳ ተበይንሉ። ወይ ሰበብ !

ስኽራን ዘምጽኦ ሰበብ

Page 11: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ክለብ ኣትለቲክስ ደቡብ 10ይ ዓመታ ጸምቢላ

ከምዘይተፈለያ ብምሕባር ኣብ ቀረባ መጻኢ ንኣድማዒ ስራሕ ውጽኢትን ነታ ክለብ ንምሕያል ዳግመ ምውዳብ ክግበር ምዃኑ ኣብሪሁ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ እታ ክለብ ዘዳለወቶ

ንምስልታት ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በታ ክለብ ዝፈረዩ ኦሎምፒካውያንን ካልኦትን ኣትለታት ዝሓዘ ዓበይቲ ፍሬም ስእሊ ብመገዲ ኦሎምፒካውያን ኣትለታት ዘርእሰናይ ታደሰን ሳሙኤል ጸጋይን ንኮሚሽን ስፖርትን ፈደረሽን ኣትለቲክስን እታ ዞባ ተበርኪቱ፣

ኣብቲ 10ይ ዓመት ዝኽሪ ብኣትለታት’ታ ክለብ ዝተዳለወን ንተሳተፍቲ’ቲ ጽንብል ዘዘናግዐን ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ግጥምታት፡ ድራማ፡ ወግዒ-ቡንን ካልኦት መሰናድኦታትን ቀሪቡ፣ኣብቲ ዕለት ነታ ክለብ ንምሕያል

ኣትለት ጸጋይ ጥዑማይ ጫማታትን መወዳደሪ ማልያታትን ዘጠቓለለ ናውቲ ብሓገዝ ከበርክት እንከሎ ኣትለት ምሉእ ዓንዶም’ውን ንምሕያል ንጥፈታት’ታ ክለብ ዝውዕል ናይ ዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ሓገዝ ኣወፍዩ፣

ክለብ ኣትለቲክስ ዞባ ደቡብ ዝኽሪ 10ይ ዓመት ምስረታኣ ምጽምባላ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ ኣፍሊጡ፣እታ ኣብ 2005 ውሑዳት ኣትለታት

ብምጥርናፍ ዝተመስረተት ክለብ፡ ኣብ ጽምብላ ሓለፍቲ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ወከልቲ ኮሚሽን ስፖርትን ፈደረሽን ኣትለቲክስ ዞባ ደቡብ፡ ኦሎምፒካውያን ዝርከብዎም ኣትለታት’ታ ክለብን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም፣ ኣብቲ ብቐዳም 10 ጥሪ 2014 ማይጭሆት

ኣብ ዝርከብ ማእከል’ታ ክለብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትለቲክስ ዞባ ደቡብ መም. የማነ ጸጋይ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ እታ ክለብ ብሒደት ኣትለታትን ውሱን ዓቕሚን ድሕሪ ምቛማ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ኩሉ መዳያዊ ወፍሪ ብምክያድ ኣብ ምምልማል ተካእቲ መንእሰያት ኣተኲራ ምስራሓ ሓቢሩ፣ ብመንገዲ’ቶም ዘፍረየቶም ኣትለታት ደረጃ ኣትለቲክስ ሃገርና ክብ ኣብ ምባል ዝምስገንን ዘተባባዕን ስራሕ ምዕማማ ብምጥቃስ ድማ ኣብ መጻኢ ንዝጸንሐ ብልጫታታ ብምዕቃብ ንዝበረኸ ምዕባለን ዕቤትን ተጊሃ ከምእትሰርሕ ገሊጹ፣ኮሚሽነር ስፖርት ዞባ ደቡብ ኣቶ

ነጋሲ ተስፋጋብር ብግደኡ እታ ክለብ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ምድግጋፍ ኩሎም ኣካላት ምምሕዳር ዞባ

ተኽለማርያም ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑብቕድሚ ትማሊ ኣብ እስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ Cross Internacional de

San Sebastian፡ ኤርትራዊ ኣትለት ተኽለማርያም መድሕን ቀዳማይ ብምውጻእ ሳልሳይ ዓወት ኣብቲ መድረኽ ኣመዝጊቡ፣

ኣብቲ ንመበል 60 ግዚኡ ዝተኻየደን ከም ኡጋንዳዊ ቲሞቲ ዝኣመሰሉ ስሙያት ኣትለታት ዝተሳተፍዎን ውድድር ጉያ መሮር፡ ተኽለማርያም ነቲ ‘ሳሕቲ’ ዘጋጥም ዓወት ብምምዝጋቡ ኣቓልቦ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣትለቲክስ ስሒቡ፣ መርበብ ሓበሬታ ያፍ ነቲ ተኽለማርያም ዘመዝገቦ ዝድነቕ ዓወት፡ ‘መድሕን ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝተታሕዘ ዓወት ደጊሙ’ ክትብል ገሊጻቶ፣

ተኽለማርያም፡ ነቲ ናይ 10 ኪሎ ሜተር ውድድር ብ30፡45 ደቒቕ ብምዝዛም ነቲ ክብሪ ክሕዝ እንከሎ፡ ኡጋንዳዊ ቶሮቲች ቲሞቲ ድማ ብ11 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ጁንየር 10,000 ሜተር፡ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ዝኾነ ቼቦ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ፣

ቅድሚ ሽዱሽተ ሳምንታት ኣብ ሶይራ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብናይ ቋህ ሰም ፍልልይ ዝተፈላዩ ተኽለማርያምን ቲሞቲን፡ ኣብቲ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ጭቃ ዝበዝሖን ፈታኒ ክሊማ ዝነበሮን ውድድር ልዑል ህልኽ ምርኣዮም ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታት የረድኣ፣ ብፍላይ ድሕሪ 7 ኪሎሜተር፡ ተኽለማርያምን ቲሞቲን ንቼቦ ማሕዲጎም ተራእዮም፣ ቲሞቲ ነቲ ውድድር ክቕልሶ እኳ እንተኸኣለ፡ ኣብ መወዳእታ ሜትሮታት ግን ኢዱ እዩ ሂቡ - ንተኽለማርያም መድሕን፣ በዚ ድማ ኣብቲ ንመበል 60 ግዚኡ ዝተኻየደ ውድድር ፍሉይ ምዕራፍ ገንጸለ፣ ተኽለማርያም ድሕሪ 1966 ነዚ ዓወት’ዚ ዝበቕዐ ናይ መጀመርታ ኣትለት ኮይኑ ተመዝገበ፣

ኣብ መፋርቕ 60’ታት ኢትዮጵያዊ ኣትለት ማሞ ወልዴ ካብ 1963 ክሳብ 1966 ኣብዚ ውድድር ብምዕዋት ሃትሪክ ሰሪሑ ነበረ፣

ኦሎምፒካዊ ኣትለት ተኽለማርያም፡ ኣብ ውድድር ጉያ መሮር ዓለም ክልተ ግዜ ኣብ ዝርዝር ዕዉታት መዳልያ ክኣቱ ክኢሉ እዩ፣

** ** **

ተወሳኺ . . .= ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ

ግጥም ሰረ’ኣ ኢጣልያ፡ ገዲም ተጻዋታይ ክለብ ሮማ ፍራንሲስኮ ቶቲ ኣብ ሰኪዔት ላዝዮ ወሳኒት ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ንገዛእ ነብሱ ብካሜራ ብምስኣል ሓጎሱ ጸምቢሉ፣ ኣብቲ 2ብ2 ዝተዛዘመ ግጥም ደርቢ፡ ቶቲ ንኽልቲአን ሸቶታት ክለቡ ብምምዝጋብ ንብዝሒ ሸቶታቱ ኣብ ደርቢ ኣንጻር ላዝዮ 11 ኣብጺሑ፣ ካብ ሓደ ኣባል ዳንነት ሞባይል ብምልቃሕ ንገዛእ ነብሱ ዝሰኣለ ቶቲ፡ ኣብ ታሪኽ ግጥም ክልቲአን ክለባት (ቶቲ ኣብ 40 ጸወታታት ተሳቲፉ) ዝበዝሐ ሸቶ ዘቑጸረ ኮይኑ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ፣ ወዲ 38 ዓመት ዓመት ቶቲ፡ ኪንዮ ክለቡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ እውን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ኣይርሳዕን፣ ቶቲ ኣብ ውድድር ሰረ’ኣ ኢጣልያ ምስ ክለቡ ሮማ 239 ሸቶታት ኣቑጺሩ ይርከብ፣ ሮማ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ናይ ሮማ ደርቢ ግጥማት ስዕረት ዝበሃል ኣይቀመሰትን፣

** ** **

= ኣጥቃዒ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ሮቢን ቫን ፐርሲ፡ ክለቡ ምስ ሳውዝሃምፕተን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ብዝወረዶ ማህሰይቲ ካብ ሜዳ ምውጽኡ ይፍለጥ፣ እቲ ሆላንዳዊ ተጻዋታይ፡ ትማሊ ራጂ ከምተራእየ ክለቡ ትሕብር፣ እንተኾነ ክሳብ መዓስ ካብ ጸወታ ከምርሕቕ ግን ኣይተሓበረን፣ ማን ዩናይትድ ኣብቲ ግጥም ብዝወረዳ ስዕረት ናብ ራብዓይ ደረጃ ክትወርድ ተገዲዳ ኣላ፣

** ** **

= ኣርሰናል ንስቶክ 3ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ተጻዋታያ ማቲው ደቡቺ ኣብ መንኩቡ ማህሰይቲ ከምዝገጠሞ ኣፍሊጣ፣ እቲ ፈረንሳዊ ተኸላኻሊ፡ ምስ ኣከፋፋሊ ክለብ ስቶክ ማርኮ ብምግጫዉ እዩ ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎ፣ ኣሰልጣኒ ክለብ ኣርሰናል - ኣርሰን ቨንገር እቲ ተጻዋታይ ክሳብ መዓስ ካብ ጸወታ ከምዝርሕቕ ብንጹር እኳ እንተዘይሓበረ፡ ንሒደት መዓልታት ዕረፍቲ ከምዘድልዮ ካብ ምግላጽ ግና ኣይተቖጠበን፣

= ኣሰልጣኒ ክለብ ሳውዝሃምፕተን - ሮናልድ ኬማን፡ ምስጢር ዓወት

ክለቡ ኣብ ልዕሊ ማን ዩናይትድ ኣረዲኡ፣ እቲ ንክለቡ ሳልሳይ ደረጃ ከቐምጥ ዝኸኣለ ኣሰልጣኒ፡ ንድኽመት ማን ዩናይትድ ቅድሚ እቲ ጸወታ ከምዘጽንዖን ኣብ መስመር ምክልኻል ንዘለዋ ሃጓፍ ንምምላኽ ድማ እኹል ልምምድ ምክያዱን ተዛሪቡ፣ “ንድኽመት መጋጥምትኻ ምልላይ ካልእ ሜላ ኣጸዋውታ እዩ፣ ኣብቶም ሰለስተ ተጻወትቲ መስመር ምክልኻል ዘይምውህሃድ ከምዘሎ ተረዲእና፣ ነዚ መዝሚዝና ድማ ዓወት ኣመዝጊብና” ይብል ዓላሚ ናይታ ድሕሪ 27 ዓመታት ኣብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ ዓወት ዘመዝገበት ሳውዝሃምፕተን ዝኾነ ኬማን፣ በዚ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ግጥማት ፕሪመር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቸልሲ ብ49 ነጥቢ መሪሕነት ሒዛ ኣላ፣ ማን ሲቲ ብ47 ትስዕባ፣ ሳውዝሃምፕተን ድማ ብ39 ነጥቢ ሳልሳይ ክትቕመጥ ክኢላ ኣላ፣ ማን ዩናይትድ ብ37፡ ኣርሰናል ብ36፡ ቶተንሃም ብ34፡ ዌስትሃም ብ33፡ ሊቨርፑል ብ32፡ ስዋንሲ ብ30 ከምኡ ድማ ኒውካስል ብ27 ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ዝሓዛ ክለባት እየን፣ ነፍስ ወከፍ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ እትርከብ ክለብ 21 ጸወታታት ኣካይዳ ኣላ፣

** ** **

ቦኒ ምስ ማን. ሲቲ ተሰማሚዑእንግሊዛዊት ክለብ ስዋንሲ፡ ንኣጥቃዒኣ ዊልፍሬድ ቦኒ ብ28 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ከተፋንዎ ተሰማሚዓ፣ እቲ ወዲ 26 ዓመት ኣይቮርያዊ፡ ኣብ

2013 እዩ ካብ ክለብ ቪተሰ ኣርሀም ናብ ስዋንሲ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ተሰጋጊሩ፣ ኣብ 2014 ድማ ነታ ጋንታ 20 ሸቶታት ብምብርካት ስሙ ክኹልዕ ክኢሉ እዩ፣ እዚ ዝሰጋገረሉ መጠን ገንዘብ ድማ ኣብ ታሪኽ ክለብ ስዋንሲ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ፣ እታ ኣብ ዌልስ ዝተደኮነት ክለብ፡ ኣብ

ነሓሰ 2012 ንጆ ኣለን ካብ ሊቨርፑል ዘምጽኣቶ ናይ 15 ሚልዮን ፓውንድ መጠን ገንዘብ ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ እዩ፣ እዚ ስምምዕ ሎሚ ክፍጸም ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ፣ ክታም ኣብ ዝነብረሉ እዋን 25 ሚልዮን ክኽፈል፥ ዝስዕብ 3 ሚልዮን ድማ ምስ ግዜ ኣብ ካሳ ስዋንሲ ክኣቱ ክልቲአን ክለባት ተሰማሚዐን ምህላወን ቢቢሲ ሓቢሩ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፡ ሲቲ ምስቲ

ተጻዋታይ ኣብ ውልቃዊ ስምምዕ

ከተካይድ መደብ ሒዛ ኣላ፣ እንተኾነ እቲ ተጻዋታይ ብቐጥታ ናብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2015 ከምርሕ ብምዃኑ ንኣስታት ሰለስተ ሳምንታት ክትስእኖ እያ፣ ቦኒ፡ ባሕቲ ጥሪ ክለቡ ምስ ኪውፒኣር ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ኣብ ተወሳኺ ግዜ ብዘቑጸራ ሸቶ ማዕረ ክትፈላለ ኣኽኢልዋ፣ እታ ሸቶ ድማ ኣብ 22 ጸወታታት ታሽዐይቲ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ፣ ብተወሳኺ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ

ዓለም 2014፡ ኣይቮሪኮስት ምስ ግሪኽ ማዕረ ንዝተፈላለየትላ ሸቶ ቦኒ’ዩ ኣመዝጊብዋ፣ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ምስ ኤቨርተን 1ብ1 ዝተፈላለየት ማን ሲቲ፡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝህባ ተጻዋታይ ሃሰው ትብል ኣላ - ሰርጆ ኣጕዌሮን ኤዲን ዜኮን ኣብ ቅነ ልደት ብምህሳዮም፣ማንቸስተር ሲቲ፡ ተጻወትቲ

ንምሽማት ብእተካይዶ ዘላ መስርሕ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ

ብዘውጽኦ መምርሒ ‘ፋይናንሻል ፌየር ፕላይ’ ብተደጋጋሚ ክትዕገት ተራእያ እያ፣ ዝሓለፈ ክረምቲ ንከም ጃክ ሮድዌል ከምኡ እውን ዣቪ ጋርሽያን ንዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ዘፋነወት ሲቲ፡ ኣስታት 48 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ብምግባር ንከም ማንጋላ፡ ፈርናንዶን ካባሌሮን ንዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ምግዝኣ ይፍለጥ፣ቦኒ፡ ብክለባት ኣርሰናል፡ ሊቨርፑልን

ቶተንሃምን ተጠሚቱ ምንባሩ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ እዩ፣

** ** **

Page 12: ሳዕቤን’ቲ መስተ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_13012015.pdf.pdf · 2015. 1. 12. · ሰዋስው ዘተኰረ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ

ሓዳስ ኤርትራ 13 ጥሪ 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ቻይና ከም ዓቃብ ሰላም ኮይኖም ዝሰርሑ ኣስታት 700 ወተሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምእትልእኽ ሓቢራ።ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት

ዜና ቻይና - ሽንሁዋ፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ክሰርሑ’ዮም። እቶም 180 ኣብዚ ወርሕ’ዚ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝኣትዉ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።እቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ክብገሱ

ተዳልዮም ዘለዉ ወተሃደራት ቻይና፡ ኣብ ርእሰ ምክልኻል ዝጥቀምሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ድሩዓት ተሽከርከርቲ፡ ጸረ-ታንክ ሚሳይልን ሞርታርን ዝዓጠቑ ምዃኖም ሽንሁዋ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።ቻይና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ

ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ልዕሊ 2 ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊራ ከምዘላ ጸብጻባት የመልክቱ።ብታሕሳስ 2013 ዝተወለዐ

ውግእ ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ገና ይቕጽል ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ጉድኣት ወሪዱ ምህላዉ ክኢላታት ይሕብሩ። ኣቐዲሙ ንኽልቲኦም

ተቐናቐንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ንምዕራቕ ዝተኻየደ ጻዕርታት ጭቡጥ ውጽኢት ከምጽእ ከምዘይከኣለ’ዩ ዝንገረሉ። ብሰንኪ ውግእ ደቡብ ሱዳን፡

ዛጊት ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ክመዛበሉ ከምዝተገደዱን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን

ኣብ ከተማታት ብሪጣንያ ዝተዋፈሩ ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ኣመና ኸሰዓት ብምዃኖም ስርሖም ብግቡእ ከሰላስሉ ከምዘይከኣሉ ተፈሊጡ።ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ‘ራሻ

ቱደይ’ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መርመራ ብቕዓት፡ ኣመና ዝኸስዑ 356 ኣባላት ፖሊስ ዘየዐግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ደድሕሪ ገበነኛታት ክጎዩ ዘይክእሉን፡ ብቑዕ ኣካላዊ ብቕዓት ዘይብሎምን ኮይኖም ከምዝተረኽቡ ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራ ተነጺሩ።ላዕለዋይ መርማሪ ብቕዓት ፖሊስ

ብሪጣንያ ቶም ዊንሰር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣባላት ፖሊስ ከምልጡ ንዝፍትኑ ገበነኛታት ብጉያ ክሕዝዎም

ኣብ ሊብያ ኣብ ሓድሕዳዊ ግጭት ተጸሚደን ዘለዋ ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓ ከምዝተሰማመዓ ይግለጽ ኣሎ።

ፈረንሳኣብ መጥቃዕቲ ፓሪስ - ፈረንሳ ምስ

ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኢድ ከምዝነበራ ዝተገልጸት ጥርጥርቲ ናብ ሶርያ ከምዝኣተወት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ። እታ ሓያት ቡመዲን ዝተባህለት

ጥርጥርቲ ምስ ሓደ ካብቶም ኣጥቃዕቲ ፍቕራዊ ዝምድና ከምዝነበራን ምስቶም ዕጡቓት ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝነበራን ፖሊስ ፈረንሳ ይገልጽ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዋ ዘካየዶ ፈተነ ግን ዛጊት ኣይተዓወተን። ንሳ ኣብ ውሽጢ ፈረንሳ ትሃሉ-ኣይትሃሉ ዝተረጋገጸ ነገር የለን። ሓቅነት ናይቲ ብሮይተርስ ዝተፈነወ

ሓበሬታ ምስዝረጋገጽ ድማ እታ ጥርጥርቲ ምስቶም ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝዋጋኡ ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕሽ ምጽንባራ ዘይተርፍ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። ብ8 ጥሪ ብሰለስተ ኣኽረርቲ

ምዃኖም ዝተነግረሎም ዕጡቓት ኣብ ፓሪስ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

*** ፈረንሳ ድሕር’ቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ

መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ከተማታት ከምእተተዋፍር

ቻይና ናብ ደቡብ ሱዳን ወተሃደራት ትልእኽ

ምንጭታት ዜና የመልክቱ። ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ደቡብ

ሱዳን ሳልቫ ኬርን ምክትሉ ነበር ሬክ ማሻርን ብዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ናብ ዝሰፍሐ ግጭት ኣምሪሑ ዘሎ ኩነታት ደቡብ

ሱዳን ቀቢላዊ፡ መልክዕ እናሓዘ ብምምጽኡ ነታ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ሃገር፡ ዳግማይ ናብ ዝኸፍአ ውግእ ሓድሕድ ከጥሕላ ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።

ብሰንኪ ምኽሳዖም ከይስጎጉ ዝሰግኡ ኣባላት ፖሊስ ብሪጣንያ

ዝኽእሉ ድልዱላት ክኾኑ ኣለዎም፤ እዚ ምስዘይከውን ግን ብቕዓቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ’ሎ ማለት’ዩ” ብምባል፡ ኣመና ዝኸረሹ ዘይብቑዓት ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ዝጸንሕሉ ምኽንያት ከምዘይረኣዮ ኣረዲኡ።በዚ ድማ እቶም “ኣመና ከሪሽኩም”

ዝተባህሉ ኣባላት ፖሊስ ብሪጣንያ ካብ ስራሕ ከይስጐጉ ሰጊኦም ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ኣብ ብሪጣንያ ንኣባላት ፖሊስ ኣብ

ዝግበረሎም ዓመታዊ መርመራ ብቕዓት፡ ብሰንኪ ኣመና ምኽራሽ ኣማኢት ኣባላት ፖሊስ ትሑት ኣካላዊ ብቕዓት ከምዘመዝግቡ ጋዜጣታት’ታ ሃገር ይሕብራ። ****

ተቐናቐንቲ ወገናት ሊብያ ንዘተ ይሰማምዑ

መራሕ’ቲ ናይተን ጉጅለታት ምስ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ምስ መቐናቕንቶም ንምዝርራብ ድሉዋት ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ልኡኻት

ናይተን ጉጅለታት ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ጀኔቫ-ስዊዘርላንድ ተራኺቦም ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።ይኹን’ምበር ኣብቲ ዘተ ዝሳተፋ

ጉጅለታት መነ-መን ምዃነን ዝተነጸረ የለን። ኣብ ሊብያ ሓያሎ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ሓድሕዳዊ ምጥቕቓዕ ተጸሚደን ምህላወን ይፍለጥ።ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሊብያ

ከተማ ቓዳምስ ኣብ መንጎ ገለ ጉጅለታት ብዝተኻየደ ዝርርብ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ተኸቲሙ ከምዝነበረን ቅሩብ ከይጸንሐ ግን ከምዝተጣሕሰን ጸብጻባት ይሕብሩ። ደገፍ ምዕራባውያን ሃገራት

ከምዘለዎ ዝንገረሉ መንግስቲ ሊብያ፡ ብዕጡቓት “ፈጅር ሊብያ” ዝተባህለ ጉጅለ ተደፊኡ ካብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ክግዕዝ ከምዝተገደደን በዚ ድማ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጥብሩቕ ዝተባህለት ከተማ ደኲኑ ከምዘሎን ምንጭታት’ታ ሃገር ይገልጹ።

****

ዜና ብሓጺሩኣፍሊጣ። ሚኒስተር ምክልኻል’ታ ሃገር ዤን ለ ድሪያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ኣብቲ ተነቀፍቲ ዝበሃል ከባቢታት ክዋፈሩ ምዃኖም ሓቢሩ። ካቢነ ሚኒስተራት ፈረንሳ ንጉዳይ ጸጥታ ዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ

መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ከምዝርከቡ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ ነቲ መጥቃዕቲ

ንምኹናን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ከምዝተሳተፉ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብቲ ሰልፊ ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎም ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ከምዝተረኽቡ’ውን ተፈሊጡ።

ናይጀርያ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ባን ኪሙን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጀርያ

ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከምዝኾነኖ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቲ ብጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ንሰለማውያን ሰባት ግዳይ ዝገበረ ምዃኑ ብምሕባር’ዩ ነቲ ኩነኔ ዘስምዐ። ኣብ ናይጀርያ ዝሓለፈ ቀዳመ-

ሰንበት ብጓል 10 ዓመት ብዝተፈጸመ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ህይወት 19 ሰባት ከምዝጠፍአ ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም። ብዘይካ’ዚ ኣብታ ሃገር ብቕንያቱ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ከምዝተራእየን ብሰንኩ ህይወት ኣማኢት ሰባት ከምዝጠፍአን ጸብጻባት የመልክቱ።

ምስሪሰራዊት ምስሪ ኣብ ሓውሲ ደሴት

ሲናይ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባይቲ ከምዘዕኑ ኣፍሊጡ። እቲ ሰራዊት ነቲ ስጉምቲ ዝወስደሉ ምኽንያት ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ዞባ ንምግፋሕ ምዃኑ

ኣረዲኡ። ኣቐዲሙ መንግስቲ ምስሪ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ምንባሩ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ። ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዞባ ሲናይ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓደ መፈተሺ ንቑጣ ሰራዊት ምስሪ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 10’ታት ወተሃደራት ከምዝቐተሉ ምንጭታት’ታ ሃገር የነጽሩ።

ኢንዶኔዥያ ስብርባር ነፋሪት ኢንዶነዥያ

ንምርካብ ብዝተኻየደ መስርሕ ምድላይ፡ ክልተ ብላክ-ቦክስ ዝተባህለ ኣገዳሲ ክፍላት ናይታ ነፋሪት ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ። እቲ ኣብ ባሕሪ ጃቫ ጥሒሉ ዝጸንሐ ብላክ-ቦክስ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ናይ ዝነበረ ርክባት ሰኒዱ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ። በዚ ድማ እቲ ንብረት ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ኣብ ምፍላጥ ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ተፈሊጡ። ነፋሪት ኢንዶነዥያ -ኤየር ኤሽያ ኪው.ዘድ 8501፡ 162 ሰባት ኣሳፊራ እናበረረት ብ28 ታሕሳስ ኣብ ባሕሪ ጃቫ ከምዝወደቐት ኣይርሳዕን።