4
መበል 30 ዓመት ቁ.18 ዓርቢ 25 መስከረም 2020 ገጻት 4 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ. 2 ገጽ. 3 ገጽ. 4 ኣብ ን/ዞባ ጎልጅ ዘራእቲ ኣብ ትስፉው ደረጃ በጺሑ ባናና እዋናዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ዘይተፈትሑ ግድላት ብደረጃ ሃገር፡ ብክረምታዊ ሕርሻ ዝሰፍሐ መሬት ኣብ ዝለምዓሉ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ሎሚ-ዘበን ክራማት ዝተዘርአ ኣእካል ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓቢሩ። ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ገብረሂወት በየነ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብጠቕላላ ኣስታት 95 ሽሕ ሄክታር ብመሰል ተጠቃምነትን ንግዳዊ ሕርሻን ከምዝለምዐ፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ብዝወቕዐ ጽቡቕ መጠንን ዝርግሐን ዝነበሮ ዝናብ ድማ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ምምዓጒን ምውላድን ከምዝበጽሐ ገሊጹ። እቲ ሕርሻ መብዛሕትኡ መሸላ ኮይኑ፡ ብውሑድ መጠን ድማ ብልቱግን ስምስምን ከምዝርከቦ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረሂወት፡ ዝናብ ደንጉዩ ብምጅማሩ ናይ ስምስም ስፍሓት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝነከየ ሓቢሩ። ዘራእቲ ኣብ ኣብ ትስፉው ደረጃ በጺሑ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ብውሕዱ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 24 መስከረም ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ ኣሎ። እዞም ዜጋታት፡ 3 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሙኲቲ፡ 2 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም። ብምሉኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 21 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 369 በጺሑ ኣሎ። 330 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 39 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ። ሚኒስትሪ ጥዕና 24 መስከረም 2020 ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ወርሒ መስከረም ማይ ክረክብ ከምዘለዎ ኣብሪሁ። ሎም-ዘበን ክራማት ኣብ እዋነን ዝመጻ ትራክተራት መንግስቲ፡ ምስ’ተን ናይ ግሊ ተወሃሂደን ብርትዓዊ ክፍሊት ኣብ ሓጺር እዋን ኣድማዒ ናይ ማሕረስ ንጥፈታት ምክያደን፡ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተሳለጠ ናይ ነቕሊ ስራሕ ተደሚሩ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንኽትስተ ስለዝሓገዘ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጥዕና ጥሪት ብምውሓስ ምህርተን ንምስሳን ዝሰላሰል ንጥፈታት ኣተባባዒ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮርፖርሽን ዘራእትን ጥሪትን ሓላፊ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ሓቢሩ። ኣብ ኩለን’ተን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከባ ሕርሻታት፡ ጥሪት ብምርባሕን ጥዕናአን ብምክትታልን፡ ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ምምላእ ጠለባት ጸባን ስጋን ንምድጋፍ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ኣቶ ሓይለዝጊ ብተወሳኺ ኣብሪሁ። እቲ ቀንዲ ረቛሒ ምውሓስ ጥዕና ስለዝዀነ፡ እቲ ኮርፖረሽን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣፋውስ እንስሳታት ንህዝቢ ብናጻ ይዕድል ከምዘሎ፡ ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ከኣ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ነቚጣታት ተኸፊተን ሓካይም እንስሳታት ተመዲቦም ምህላዎም ገሊጹ። ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ፡ ጋሽ-ባርካ - ጥሪትን ውጽኢተንን ንምህብታም ይስራሓሉ ተሰነይ፡ ሃይኮታ፡ ላዕላይ-ጋሽ፡ ባረንቱን ሻምብቆን ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ምውህሃድ ልዑል ተራ ይጻወታ ከምዘለዋ ብምጥቃስ ድማ፡ እተን ካልኦት ንኡሳን ዞባታት ኣብነተን ክኽተላ ጸዊዑ። ዘካይድዎ ዘለዉ ስራሕ፡ ምስ’ቲ ጥዕና እንስሳታትንምሕላው ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝካየድ ንጥፈታት ዝመላላእ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ሓይለዝጊ፡ ህዝቢ ብቐረባ ኣገልግሎት ሕክምና እንስሳ ረኺቡ፡ ብኣኡ መጠን ጥዑይ ውጽኢት ጸባን ስጋን ከውሕስ - ኣብ መጻኢ እቲ መደብ ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብ ምዕባለ ዘራእቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ፡ ኣቶ ገብረሂወት ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ገስጋስ ኣብ ‘ራ’ - ምምሕዳር ከባቢ ብሔይታ ዝሰላሰል ዘሎ ህንጸት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዓዚቡ። ኣመሓዳሪ ዞ/ደ/ቀ/ባሕሪ፡ንጥፈታት ልምዓት ተዓዚቡ ምጥርናፍ ዓድታት፡ መሰረት ምዕባለ ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ጸገማቱ ተቓሊሉ መስተርሆ ክረክብ ምእንቲ፡ ፋሕ ዝበላ ዓድታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝረኽባሉ ዝቐረበን ዝተጸንዐን ከባቢታት ክጥርነፋ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ኣዘኻኺሩ። ተራ ህዝቢ ኣብ መደባት ልምዓት ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ በብከባቢኡ ዝትግበር ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት፡ መእለዪ ወሓይዝን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ምምሕዳራት ውዳበታተን ኣሐዪለን ብዕቱብ ክደፍኣሉ ኣገንዚቡ። ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣብ መወዳእታ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣተባባዒ ውጽኢት ዝርከቦ ዘሎ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምስፋሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ዘድሊ ምድግጋፍ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኮሮና ቫይረስ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_25092020.pdfጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

  • Upload
    others

  • View
    0

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ኮሮና ቫይረስ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_25092020.pdfጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

መበል 30 ዓመት ቁ.18 ዓርቢ 25 መስከረም 2020 ገጻት 4 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ. 2 ገጽ. 3 ገጽ. 4

ኣብ ን/ዞባ ጎልጅ ዘራእቲ ኣብ ትስፉው ደረጃ በጺሑ

ባናና እዋናዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ

ዘይተፈትሑ ግድላት

ብደረጃ ሃገር፡ ብክረምታዊ ሕርሻ ዝሰፍሐ መሬት ኣብ ዝለምዓሉ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ሎሚ-ዘበን ክራማት ዝተዘርአ ኣእካል ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓቢሩ።ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ

ገብረሂወት በየነ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብጠቕላላ ኣስታት 95 ሽሕ ሄክታር ብመሰል ተጠቃምነትን ንግዳዊ ሕርሻን ከምዝለምዐ፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ብዝወቕዐ ጽቡቕ መጠንን ዝርግሐን ዝነበሮ ዝናብ ድማ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ምምዓጒን ምውላድን ከምዝበጽሐ ገሊጹ።እቲ ሕርሻ መብዛሕትኡ መሸላ ኮይኑ፡

ብውሑድ መጠን ድማ ብልቱግን ስምስምን ከምዝርከቦ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረሂወት፡ ዝናብ ደንጉዩ ብምጅማሩ ናይ ስምስም ስፍሓት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝነከየ ሓቢሩ። ዘራእቲ ኣብ ኣብ ትስፉው ደረጃ በጺሑ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ብውሕዱ ክሳብ መወዳእታ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 24 መስከረም ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ ኣሎ።እዞም ዜጋታት፡ 3 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሙኲቲ፡ 2 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል

ኣዲባራ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።ብምሉኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ

ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ

ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 21 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡

ክሳብ ሎሚ 369 በጺሑ ኣሎ። 330 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ከለዉ፡ 39 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና24 መስከረም 2020

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ወርሒ መስከረም ማይ ክረክብ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።ሎም-ዘበን ክራማት ኣብ እዋነን ዝመጻ

ትራክተራት መንግስቲ፡ ምስ’ተን ናይ ግሊ ተወሃሂደን ብርትዓዊ ክፍሊት ኣብ ሓጺር እዋን ኣድማዒ ናይ ማሕረስ

ንጥፈታት ምክያደን፡ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተሳለጠ ናይ ነቕሊ ስራሕ ተደሚሩ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንኽትስተ ስለዝሓገዘ፡

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጥዕና ጥሪት ብምውሓስ ምህርተን ንምስሳን ዝሰላሰል ንጥፈታት ኣተባባዒ ውጽኢት የርኢ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮርፖርሽን ዘራእትን ጥሪትን ሓላፊ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ሓቢሩ።ኣብ ኩለን’ተን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ

ዝርከባ ሕርሻታት፡ ጥሪት ብምርባሕን ጥዕናአን ብምክትታልን፡ ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ምምላእ ጠለባት ጸባን ስጋን ንምድጋፍ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ኣቶ ሓይለዝጊ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።እቲ ቀንዲ ረቛሒ ምውሓስ ጥዕና

ስለዝዀነ፡ እቲ ኮርፖረሽን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣፋውስ እንስሳታት ንህዝቢ ብናጻ ይዕድል ከምዘሎ፡ ነዚ መደብ’ዚ ንምትግባር ከኣ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ነቚጣታት ተኸፊተን ሓካይም እንስሳታት ተመዲቦም ምህላዎም ገሊጹ።ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ፡

ጋሽ-ባርካ - ጥሪትን ውጽኢተንን ንምህብታም ይስራሓሉ ተሰነይ፡ ሃይኮታ፡ ላዕላይ-ጋሽ፡ ባረንቱን ሻምብቆን ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ምውህሃድ ልዑል ተራ ይጻወታ ከምዘለዋ ብምጥቃስ ድማ፡ እተን ካልኦት ንኡሳን ዞባታት ኣብነተን ክኽተላ ጸዊዑ።ዘካይድዎ ዘለዉ

ስራሕ፡ ምስ’ቲ ጥዕና እንስሳታት ንምሕላው ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝካየድ ንጥፈታት ዝመላላእ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ሓይለዝጊ፡ ህዝቢ ብቐረባ ኣገልግሎት ሕክምና እንስሳ ረኺቡ፡ ብኣኡ መጠን ጥዑይ ውጽኢት ጸባን ስጋን

ከውሕስ - ኣብ መጻኢ እቲ መደብ ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ምዕባለ ዘራእቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ፡ ኣቶ ገብረሂወት ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ገስጋስ ኣብ ‘ራ’ - ምምሕዳር ከባቢ ብሔይታ ዝሰላሰል ዘሎ ህንጸት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዓዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞ/ደ/ቀ/ባሕሪ፡ንጥፈታት ልምዓት ተዓዚቡምጥርናፍ ዓድታት፡ መሰረት ምዕባለ

ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ጸገማቱ ተቓሊሉ መስተርሆ ክረክብ ምእንቲ፡ ፋሕ ዝበላ

ዓድታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝረኽባሉ ዝቐረበን ዝተጸንዐን ከባቢታት ክጥርነፋ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ

ኣዘኻኺሩ።ተራ ህዝቢ ኣብ መደባት ልምዓት ወሳኒ

ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ በብከባቢኡ ዝትግበር ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት፡ መእለዪ ወሓይዝን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ምምሕዳራት ውዳበታተን ኣሐዪለን ብዕቱብ ክደፍኣሉ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣብ መወዳእታ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣተባባዒ ውጽኢት ዝርከቦ ዘሎ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምስፋሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ዘድሊ ምድግጋፍ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Page 2: ኮሮና ቫይረስ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_25092020.pdfጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

ሓዳስ ኤርትራ 25 መስከረም 2020 - ገጽ 2መበል 30 ዓመት ቁ.18

“ንወልደልኩም ንኸስበልኩም……” በለት ሓፍትናነዛ ን‘ምንባር’ ኣጸቢቑ ዝፈልጣ ሰብ

ብቚጽሪ ክንርእዮ እንከለና፡ ኣመና ውሑድ እዩ። መኽሰብ ምንባር ከኣ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ነናቱ ኣገላልጻ ኣለዎ። ኣብ ህይወት - ሓዳር ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ነገራት እኳ እንተዀነ፡ ካብ ሓዳር ብዝያዳ ዝበለጸ ነገር ከምዘሎ፡ እቶም ንህይወት ዝመልክዋ እዮም ብዝያዳ ዝፈልጥዎ። ባህሪ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ገለ ተጻወርቲ ኣብ ገለ ድማ ኣንጸርጸርትን ቀይዲ በተኻትን ክኸውን ይረአ እዩ። እዚ ግና፡ ብመንጽር እታ ጓል-

ኣንስተይቲ ክረአ እንከሎ፡ ገለን ኣለዋ ንሓዳረን ንፋስ ዘእትዋ፣ እቲ ዝመርሓኦ ዘለዋ ሓዳር ከም መኽሰብ ዘይብሉ ክሳራ ጥራይ ዝርደኣኦ፣ ገለ ለባማት ድማ ኣለዋ - ሓዳር ኪንዮ’ቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ጸገማት፡ ነቲ መኽሰቡ እናዘከራ ዘመስግናን ዝጸናንዓን - ትርጉም ሓዳር ዝገልጻን።ለባም ሰብ ምስ ጥዕምቲ ቡን

ክልተ ዝሳነዩ - ኣብ ዝረኸብኩሉ እዋን እየ፡ ነዛ ቃል እዚኣ ዝሰማዕኩዋ - “ንወልደልኩም ንኸስበልኩም።” እታ ነዛ ቃል ዘድመጸት ሓፍትና፡ ንትርጉምን መኽሰብን ሓዳር ኣብ

ምንባር ኣዕሚቛ ዘለለየት እያ። ሕጉስቲ፡ ተጻዋቲት፡ ፈታዊት ሰብ፡ ምስጉን ነብሲ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ሓዳር ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተዓወተት፡ በቲ ኣመስጋኒ መንፈሳ ግና ልዕሊ እተን ኣብ ሓዳረን ምሉእ ዘየጉዱል ኩሉ እናሃለወን፣ ግን ከኣ ወትሩ ንግሆ ኣብ ክንዲ ምስ ሓድሽ ሂወትን ዕጋበትን ዝፍጠራ፡ መመሊሰን ከማርራን ነቲ ዘለወን ጸጋ በረኸት ናይ ፈጣሪ ዘነኣእሳን ሰብ ሓዳር

ኣገዳስነት ዕላልን ጸወታን

ወርቃውያን ምኽርታት*እዝጊኣብሄር ክልተ ኣእዳው ዝሃበና -

ሓደ ክንህበሉ፡ ሓደ ክንቅበለሉ እዩ።*ቃል ኪዳን ዕዳ እዩ - ንቃል ኪዳን

ኣይትተሃወኽ፡ ኣጽንዕ።*መልሓስካ ናጽነት እንተረኺቡ ፈታዊ

ኣይክህልወካን እዩ። ስለ’ዚ ንመልሓስካ ብናይ ስቕታ ልጓም እሰሮ።*ሰብ ኣብ ምውዳቑ ኩርዓት

ይጅምር።*ወረጃ ሰብኣይ፡ እቲ ሰበይቱ ቅድሚ

ምህራሙ ባርኔጣኡ ካብ ርእሱ ዘውጽእ

ባናና

ዘገርም እዩ!

ከንፈር ክፍት ክምስኣስናን ቅልቅል ጥሕስ ዓይኒ ጥፍእ ትኽስንብዓት ውጽእ ፍስስኣፍንጫ ንፍሕ ምልስበዛ ሰሓቕ ቁስል ፍሕስ።

ኣፍ ሕትም ትንፋስ ስጥም ኣስናን ሕርቅም መልሓስ ግጥም ገጽ ቅይር ፍሕምሕም ልቢ ጥልም ዓይኒ ስልምልም ትዋሕ. . . . በዛ ሰሓቕ ሕምም።

ካብ ኩራ ረሓቕካብ ትም ስሕቕብዙሕ ግን ኣይትስሓቕደሓር ከይትሰሓቕ። ግጥሚ - ኣለክሳንደር ሃይለ

ሰሓቕ

ሕብራዊት ብርዒሕብራዊት ብርዒኣቤል ኤፍሬም

ኣብ ሃገረ ፈረንሳ፡ ጃኬቲን ዝተባህለ ብዙሕ ሚልዮን ገንዘብ ዝውንን ሃብታም ሰብኣይ፡ ገንዘቡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስለዝኸሰረ፡ ብናይ ሕሳብ ሰራሕተኛኡ 100 ሽሕ ፍራንክ ጥራይ ከምዝተረፎ ተነግሮ’ሞ፡ ብርቱዕ ስንባደ ሓዲርዎ

ባናና፡ ኣውራ ንህጻናት ጽቡቕ መግቢ፡ ንስፖርታውያን ከኣ ሓይሊ ዝህብ ዝምረጽ ብካርቦ -ሃይድሬትን ቪታሚናትን ዝሃብተመ ፍሩታ እዩ። ንምንጽጻር ዝኣክል፡ ካብ’ቲ “ንመዓልቲ ሓደ ቱፋሕ፡ ናብ ሓኪም ካብ ምኻድ የድሕን” ተባሂሉ ዝምሰለሉ ቱፋሕ እውን ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ጥቕሚ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ።

ሰብዓን ሓሙሽተን ካብ ሚእቲ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ሰብኡተን ካብ ጾታዊ ርክብ ንላዕሊ፡ ዕላልን ጸወታን ከም ዝደልያ ተመራማሪት ስነ-ልቦና ‘ሊይት ኣትዋተር’ ተረድእ። ንሳ ንምርምራዊ ስራሓታ ብኣብነት ከተረድእ እንከላ -“ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንዝነበራ

ሃብታምን ደሓን መልክዕ ዝነበሮን ሰብኣያ ሓዲጋ፡ ምስ

እያ። ካብ ምንታይ ተበጊስኪ ደኣ ከምዚ ኢልክኒ ክብላ ኣይከኣልኩን። ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘት ሓጻር ዘረባ ስለዝኾነት፡ ትም ኢለ ጥራይ ቡነይ እናሓንፈፍኩ አስተማቕራ ነበርኩ። ኣዝያ እያ ደስ እትብለካ - መቐረት

ናይ’ታ ቡን እውን ነታ ቃል ምስ ሰማዕኩ፡ ብዝያዳ ጣዕማ ወሲኹ እመስለኒ። ውላድ እቲ ዝዓበየ መኽሰብ ከምዝኰነ፡ እቲ ዝበጽሖ ጥራዩ ዝፈልጦ። ክንደይ መጻምድቲ ውላድ ክልምኑ ፈቐዶ ደብርታትን ማይ-ጸሎትን፡ ወይ እውን ኣሎ ናብ ዝተባህለ ትካል ጥዕናን በዓል-ሞያ ጥዕናን ከርተት ክብሉ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ውላድ ከም ጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

እናኣማረርካ ንሂወት ጣዕሚ ክትስእነላ ድማ ካልእ ዘሕዝን! ሃብቲ ንብረትን ገንዘብ ስጋን ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ሕመረት ህላውነት። ውላድ እዩ እቲ ቀንዲ መኽሰብ ዓለም። መጻምድኻ ይሕመቕ ይንፋዕ ብዘየገድስ ኣቦ ውላድካ ወይ ኣደ ውላድካ እንተኾይና ወይ እንተኾይኑ፣ ከሲበሉ ወይ ከሲበላ - ብዓቢኡ ከኣ ከሲብና እንተበልካ ዘየምሕር ኣይኮነን። እዛ ሓፍተይ እምበኣር፡ ውሻጠ

ልባ ዘንቀዶ ዓቢ ቃል እያ ኣምሊቛ። ኣብ ሓዳር፡ ጽቡቕ ሂወት ከተሕልፍ ፍቕሪ ዘለዎ ናብራ ምስ በዓል ቤትካ ከተስተማቕር ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ዘይምርድዳእ ዝፈጥሮ ምፍልላይ ኣብ ዘጋጠመሉ ግና፡ ከነማርር ወይ ብዕጭና ከም ዝተበላዕና ጌርና

ክንወስዶ የብልናን። ካብ መጻምድና-ነበር ውላድ እንተደኣ ኣትሪፍና፡ ዝዓበየ ቁም-ነገር ብሳላ እቲ መጻምድና ዝረኸብናዮ ዓቢ በረከት ኣሎ - ቀጻልነት ዘርእና ዘውሕስ። ካብኡ ዝተረፈ ኸኣ፡ እቲ ካብ መጻምድኻ ዝሰኣንካዮ ድሌታት ወይ ባህግታት፡ ካብ’ቲ ውላዱ ከም እትረኽቦ ኣሚንካ ምንባርዩ ግርም። ኣይኮነን ግን - ሓዳረይ ከምቲ

ዝሓሰብኩዎ ዘይኮነለይ ኢልካ ኣብ ዘየድሊ ርእሰ-ምትሓትን ቅዛነትን ምእታው፡ ናይ ንፉዓት ኣይኮነን። ኣሹንኳይዶ ዝወጠንካዮ ዝሓዝካዮ እውን ክሞልቈካ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ምሳኻ ዘሎ ጸጋታት እናዘከርካ ብጣዕሙ ክትድሰት እዩ ዝሓይሽ።

ቱፋሕ ደጊም ናይ ‘ቀዳማይ ደረጃ’ ቦታኡ ብባናና ዝተተክአ ይመስል - ብመሰረት ሓበሬታ ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ።ባናና ኣብ ውሽጡ፡ ሴግቺኒን ዝተባህለ

ልዋም ድቃስ ዘደቅስ ሆርሞን ዝሓዘለ ብምዃኑ እውን፡ ምስ ካልኦት ተቓሚሙ ንመፈወሲ ሕማማት ርእስን ጭንቀትን ይዳሎ እዩ።

ብብስጭት ሞተ። ናቱ ወራሲ ዝነበረ እውን ምሉእ ሂወቱ ብስእነትን ሽግርን ዝነብር ዝነበረ እዩ’ሞ፡ 100 ሽሕ ፍራንክ ከም ዝወርስ ምስ ተነግሮ፡ ብሓጐስ ተፈንጪሑ ሞይቱ ንብለኩም። ወይ…ጉድ ዘስደምም ስማዕ!!

ካልእ ሕማም መልመስቲ ዘለዎ ሰብኣይ ፍቕሪ ይሕዛ። እዛ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ሓዲጋ ስለምንታይ ነቲ ሕማም መልመስቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዘፍቀረት - ንብዙሓት ሰባት ዘገረመ ኮነ። ንዓይ እውን መጀመርታስ ኣደናጊሩኒ ነይሩ እዩ። ደሓር ግና፡ እቲ ዳሕረዋይ ሰብኣይ ተጻዋታይን ተዋዛያይን ምዃኑ ኣረጋጊጸ።” ትብል።

ሰብ እዩ።*ዓሻ ሰብ፡ ዝተነግሮ ኩሉ ኣሚኑ ይቕበል

- ለባም ግና ይመራመረሉ።*ንዘጋጠመካ ጉድኣት ቀንዲ ፍታሕ፡

ምርሳዕ እዩ።*ፍረ ዝተሰከመ ገረብን ፍልጠት

ዝመልአ ሰብን ሓደ እዮም። ክልቲኦም ርእሶም የትሕቱ። *ሎሚ፡ ተሪፉካ ናይ ዘሎ ወርቃዊ

ሂወትካ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስለዝኾነት ተጠቐመላ።

Page 3: ኮሮና ቫይረስ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_25092020.pdfጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

ሓዳስ ኤርትራ 25 መስከረም 2020 - ገጽ 3መበል 30 ዓመት ቁ.18

ኣንክሮኣንክሮሺሃብ ኣርኣያ

ዘይተፈትሑ ግድላትኣብ 1977፡ ማርግሬት ሂድሶን ዝተባህለት ኣደ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሎንዶን ኢንፊልድ ንእሽቶ ገዛ ተኻረየት። ሓደ ምሸት እታ ኣደ ካብ መደቀሲ እተን ክልተ ኣዋልድ ደቃ፡ ረባሺ ድምጺ ሰምዐት። ናብ’ቲ ክፍሊ ምስ ኣተወት ግን፡ ደቃ ኣብ ዓራተን ብፍርሒ ተዋሒጠን ናብ ማእከል’ቲ መደቀሲ ዝቐረበ ኣርማድዮ ክጥምታ ጸንሓኣ። ማርግሬት፡ ነቲ ኣርማድዮ ብሓይሊ ብምድፋእ ናብ ቦታኡ መለሰቶ። እንተኾነ ግን፡ ባዕሉ ዳግማይ ብምንቅስቓስ ናብኣ ቀረበ። ጸኒሑ፡ ኣብ’ቲ መንደቕ ድምጺ ምኹሕኳሕ ክስማዕ ጀመረ። መብራህቲ’ቲ ክፍሊ ድማ፡ ባዕሉ ክበርህን ክጠፍእን ጀመረ። ማርግሬት ነዚ ክትጻወር ስለ ዘይከኣለት፡ ነቶም ኣርባዕተ ደቃ ሒዛ ናብ እንዳ ጐሮቤታ ከደት። እታ ጐረቤታ ተኣማሚና፡ ነቲ ቆማትን ድልዱልን ማርክ ዝተባህለ በዓል ቤታ ደሃይ ክገብር ናብ እንዳ ማርግሬት ሰደደቶ። ማርግሬት ድሒራ ንኩነታት ማርክ ንምግላጽ፡ “ኣብ ህይወተይ፡ ንመጀመርታ ግዜ’የ ፈጥፈጥ እናበለ ብፍርሒ ምኻድ ዝሰኣነ ገዚፍ ሰብኣይ ርእየ”በለት።ማርግሬት፡ ናብ ፖሊስ ድሕሪ

ምድዋል ክልተ ኣባላት ናብ ቤታ መጽኡ። ኣብ’ቲ ገዛ ዳህሳስ’ኳ እንተገበሩ፡ ዝኾነ ምንጪ ናይ ድምጺ ግን ኣይረኸቡን። ሃንደበት ቢሊ ዝተባህለ ወዳ ንማርግሬት “እቲ ኩርሲ ይነፍር ኣሎ” በሎም። ድሕሪ’ዚ፡ ንብረት ናይ’ቲ ገዛ ካብ ቦታኡ

ክንቀሳቐስን፡ ናብ ላዕሊ ነፊሩ ምስ’ቲ ናሕሲ ክጋጮን ጀመረ። እቶም ዕጫ ማርክ ዘጋጠሞም ኣባላት ፖሊስ፡ ካብ’ቲ ገዛ ብምህዳም፡ ንማርግሬት “እዚ ኣብ ገዛኺ ዘሎ ተርእዮ ንፖሊስ ዝምልከት ኣይኮነን” በሉዋ።እቲ ወረ፡ ኣብ መላእ ከተማ ሎንዶን

ተላበዐ። ጋዜጠኛታት ደይሊ ሚረርን ቢቢሲን ናብ’ቲ ገዛ ብምምጻእ ነቲ ተርእዮ ሰነድዎ። ናብ መደበራቶም

ምስ ተመልሱ ግን፡ እቲ ፊልምን ካሜራታቶምን ብዘይተነጸረ ነገር ተበላሽዩ ጸንሖም።ክልተ ኣባላት ናይ’ቲ ኣብ ዘይንቡር

ተርእዮታት መጽናዕቲ ዝገብር ማእከል ምርምር ለንዶን፡ ናብ’ቲ ገዛ መጽኡ። እቶም ሞሪስ ግሮዝን ጋይ ሊዮንን ዝተባህሉ ክኢላታት፡ ኣብ’ቲ ገዛ ኣብ ዝገበሩዎ መጽናዕቲ ካብ ዝሰነድዎ፡ “ንብረት ናይ’ቲ ገዛ ኣብ ህዋ የንሳፍፍ ነይሩ፡፡ ናይ ሓጻውን ንብረት ባዕሉ ይጥወን ብኬሪታት ባዕሉ ማይ ይመልእን፡ ዘይንጹር ድምጺ እውን ንሰምዕ ነይርና” ይብሉ። እዞም ተመራመርቲ፡ እዚ ኵሉ ተርእዮታት ኣብ ከባቢ እታ ጃኔት ዝተባህለት ጓላ ንማርግሬት ዝያዳ ከም ዘጋጥም ተዓዘቡ።ሓደ መዓልቲ እዛ ጓል 11 ዓመት

ህጻን፡ ንሓደ ካብ’ቶም ጋዜጠኛታት ብሓይሊ ደፊኣ ምስ መንደቕ ከም ዝጋጮ ገበረት’ሞ፡ ከተእውን ናብ ላዕሊ ክትዓርግን ጀመረት። ሃንደበት ከኣ፡ ሃለዋታ ብምጥፋእ ናብ መሬት ወደቐት። ሽዑ፡ ናይ ዝደኸመ ሽማግለ ሰብኣይ ድምጺ ካብ ኣፋ ክወጽእ ጀመረ፡ ነቶም ተመራመርቲ ድማ “ሰላም ሃቡኒ። ቢል ዊልከንዝ’የ ዝበሃል፡ ቅድሚ 80 ዓመታት ወናኒ’ዚ ገዛ’የ ነይረ። ድሕሪ ሞት በዓልቲ ቤተይ፡ ደቀይ ራሕሪሖምኒ ስለ ዝኸዱ፡ ንበይነይ ብዘይ ኣላዪ ይነብር ነይረ። ብሰንኪ’ቲ ዝነበረኒ ድኻም፡ ካብ ላዕለዋይ ደርቢ ናብ ታሕቲ ብምውዳቐይ’የ ሞይተ” በሎም። እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ቢል ዝብሎም ዝነበረ ዘረባ ኣብ ካሴት ቀረጽዎ። እቲ ፍጻመ ኣብ ጋዜጣ ምስ

ተዘርግሐ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብ’ቶም ተመራመርቲ ብምድዋል፡ ወዲ ቢል ከም ዝኾነን፡ ምስ’ቲ ኣቦኡ ዝበሎ ዘረባ ዝመሳሰል ተወሳኺ ሓበሬታን ሃቦም። እቲ ዘይንቡር ፍጻመታት፡ ንዓመትን

ክልተ ወርሕን’ዩ ቀጺሉ። እቶም ተመራመርቲ ፍቓድ ቢል ብምሕታት፡

ክሪስቶፈር ጃኮም ሓደ ካብ ዕሉላት ደገፍቲ ኮሎምብያዊት ጋንታ “ኮኮታ ዲፖርቲቮ’ዩ”። ካብ ጸወታ ጋንታኡ ዘይቦክር ዝነበረ እዚ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ጋንታኡ ምስ ጋንታ “ኣንቪጋዶ” ወሳኒ ጸወታ እንከለዋ፡ ድሮ’ቲ ጸወታ ብጥይት ተቐቲሉ ይመውት።ስድራ-ቤትን ኣዕሩኽን’ዚ ደጋፊ ብወገኖም፡ ንሳንዱቕ ሬሳኡ ናብ ሜዳ ሳንታንደር

ብምምጽእ፡ ኣብ መንጎ’ቶም 42 ሽሕ ዝግመቱ ደገፍቲ ኮፍ ኣቢሎም ጸወታ ከም ዝከታተል ጌሮም። እቲ ዘገርም ጋንታ ኮኮታ ሓደ ብባዶ ትምራሕ’ኳ እንተነበረት፡ ሬሳ ክሪስቶፈር ናብ’ቲ ሜዳ ምስ ኣተወ ግና፡ ጸወታ ክዛዘም ክልተ ደቃይቕ ምስ ተረፎ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ብማዕረ ክትፈላለ ክኢላ’ያ።

ክገርመኩም!

ቁጽሪ 17 ብላቲን ተገልቢጡ ክንበብ እንከሎ ትርጉሙ “ሂወተይ ኣብቂዓ’ያ” ዝብል ስለዝኾነ፡ ኢጣልያውያን ከም ምልክት ሕማቕ ፋል’ዮም ዝጥምትዎ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ ኣብ ዝኾነ ወርሒ ኣብ ዓርቢ እንተውዒላ ድማ፡ “ወርሒ ምዉታን” ኢሎም ይሰምዩዋ። ካብ’ዚ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ’ዩ ድማ፡ ኢጣልያውያን ካብ ዝኾነ ምስ’ዚ ቁጽሪ ዝተኣሳሰር ነገር ክርሕቁ ዝፍትኑ። ኢጣልያውያን ስፖርተኛታት ብወገኖም ግዳያት ተደጋጋሚ ማህሰይቲ ከይኮኑ

ኣብ ማልያኦም ነዚ ቁጽሪ ኣይልጥፍዎን። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን መብዛሕቲኦም ነበርቲ ደቡብ ኢጣልያ ድምር ስሞምን ስም ደቆምን ዓሰርተ ሸውዓተ ፊደላት ከይከውን ተጠንቂቖም ስም ደቆም ይመርጹ፡ ጥምቀት ውላዶም ኣብ’ዚ ዕለት ኣየብዕሉን።

እመኑ ኣይትእመኑ

ብዙሕ ኣሳእል ክስንዱ ክኢሎም’ዮም። እቲ ድምጺ ምስ ግዜ እናሃሰሰ’ኳ

እንተኸደ፡ እቲ ሕማቕ ትዕድልቲ ግን ንስድራ ማርግሬት ኣይተጋደፋን። ጃኔት፡ ኣብ መበል 16 ዓመታ ብምምርዓው ካብ’ቲ ገዛ ወጸት። ቦኽሪ ውላዳ ድሕሪ 10 ዓመት ብሕማም ሞተ። ንሳ’ውን ናይ ኣእምሮ ጸገማት ኣማዕበለት። ጆኒ ዝተባህለ ሓዋ፡ ብሓደጋ ማኪና ኣብ 20 ዓመቱ ሞተ። እቶም ኣርባዕተ ደቃ ፋሕፋሕ ዝበሉ ማርግሬት’ውን፡ ኣብ 2003 ኣብ’ቲ ገዛ ሞይታ ጸንሐት።ኣብ 2009፡ ካልእ ስድራ ነቲ ገዛ

ተኻረየቶ። ብዙሕ ከይጸንሐት ግን ነቲ ተርእዮታት ክትዕዘቦ ጀመረት። ሓደ ምሸት፡ ወዲ 17 ዓመት ኣባል’ዛ ስድራ “ክልተ ሰብኣይን፡ ሰበይትን ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ኮይኖም ቀው ኢሎም ክዕዘቡኒ ሓዲሮም” ክብል ንወለዱ ሓበረ። በቲ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ እታ ሰበይቲ ‘ማርግሬት’ ነበረት። ደጋጊማ ድማ ንኵላ’ታ ስድራ ክትበጽሓ ጀመረት። ንሶም’ውን ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ’ቲ ገዛ ወጽኡ። ነዚ፡ “ሕቡኣን ዘለዎ ገዛ ኢንፊልድ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዛ፡ ክሳብ ሕጂ ደፊሩ ዝካረዮን፡ ግድሉ ዝፈትሕን ኣይተረኽበን።

“እቲ ዝኸፍአ ንወዲ ሰብ ከጋጥሞ ዝኽእል ነገር ብዘይ ስራሕን ፍቕርን ምህላው’ዩ” ኦፕራ“ብዛዕባ ዝኸሰርካዮ ከተስተንትን፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ከይትስእን” ኣልበርት

ኣይንሽታይን“ኣብ’ቲ ልሙዕ ጀርዲን’ውን ኣትማን ከም ዘለዉ ኣይትዘንግዕ” ማንዴላ“ወይ ሰዓበኒ ወይ ድማ ምርሓኒ እንተዘይ ኮይኑ ግና ካብ መንገደይ ተኣለ”

ጀነራል ጆርጅ ፓትን“ሰብ ክጋገ ንቡር’ዩ። እቲ ብጌግኡ ዘይኣምን ግን ሰይጣን’ዩ” ማዘር ተሬዛ“እቲ ቀዳማይ ግዜ ሂወትና፡ ሃብትን ስልጣንን ኣብ ምድላይ ነሕልፎ። ነዚ

ምስ ኣረጋገጽና ድማ እቲ ዝተረፈ ሓካይም ኣብ ምንዳይ ነሕልፎ” ጋንዲ

ብሂል ለባማት

ኣብ 1940፡ ክልተ ማናቱ ደቂ ሓደ ወርሒ እንከለዉ ወላዲቶም ብሙማታ ተፈላልዮም፡ ናብ ክልተ ዘይፋለጣ ስድራ-ቤታት ድማ ርዒሞም። ድሕሪ ነዊሕ፡ ኣብ መበል 39 ዕድሚኦም ተራኸቡ። ኪኖ ምርኻቦም ግን፡ ካልእ ኣገራሚ ክስተት’ዩ ኣጋጢሙ።እዞም ማናቱ ‘ጄምስ’ ዝብል ተመሳሳሊ ስም ነበሮም። ንክልቲኦም ድማ

‘ፒቲ’ ዝስመን ኣንስቲ፡ ‘ኣሊን’ ዝጽውዓ ደቂ፡ ‘ቶይ’ ዝበሃሉ ኣኽላባት ነበሮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ክልቲኦም ኣብ ዘዝነብሩሉ ከተማ ኣባላት ፖሊስ ኮይኖም ን10 ዓመታት ምግልጋሎምን፡ ብምኽንያት መርዘን ርእሲ ካብ ስራሕ ምስንባቶምን’ዩ። ብተወሳኺ’ውን፡ እዞም ማናቱ ኣብ ምስሊ ይኹን ቁመትን ክብደትን ዝፈላሊ ኣይነበሮምን። እቲ ልዕሊ ኩሉ ከም ኣርእስቲ ዝተዘርበሉ ግን፡ ኣብ’ታ ቀዳመይቲ ዕለተ ምርኻቦም፡ ክልቲኦም ቀይሕ ጁባን ጻዕዳ ስረን ጸሊም ኮዮ ጫማን ተኸዲኖም ምምጻኦም’ዩ።

ኣጋጣሚዶ ትብሉዎ?

Page 4: ኮሮና ቫይረስ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_25092020.pdfጸጋ ከይረኣኻ ኣብ ሓዳርካ ብዘሎ ጸገማት (መን’ዩ ፈጣሪኡ ብዘየገድስ)

ሓዳስ ኤርትራ 25 መስከረም 2020 - ገጽ 4መበል 30 ዓመት ቁ.18

እዋናዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ* ክሳብ 24 መስከረም 2020 ቅድሚ ቀትሪ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 32,094,034 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። ካብዚኦም ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ግዳያት ቁጽሪ ልዕሊ 981,962 በጺሑ ኣሎ። ካብዚ ናይ ዝሓወዩ ሰባት ቁጽሪ ድማ 23,676,349 እዩ።* ብደረጃ ዓለም፡ ሕቡራት

መንግስታት ኣመሪካ ብዘለዉዋ ብዝሒ ግዳያት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ። ኣብታ ሃገር ልዕሊ 7,139,553 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። * ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡

ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 206,593 በጺሑ ኣሎ። ዛጊት ካብቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ሰባት ቁጽሪ 4,398,907 ጥራይ እዩ።* ብዘለዋ ብዝሒ መልከፍቲ ሕማም

ኮሮና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ህንዲ እያ። ኣብ ህንዲ ቁጽሪ በቲ ሕማም

ንተመራመርቲ ዘገርም ምስጢር ክታበት

ጥዕናጥዕናሱሌማን ኣሕመድ

ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ቁጽሪ ብናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘመልከቱ ምንጭታት ዛጊት ልዕሊ 5,730,184 በጺሑ ኣሎ። በቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ድማ ልዕሊ 91,173 ምዃኑ ይጥቀስ። * ብራዚል ብመልከፍቲ ሕማም

ኮሮና ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ። ኣብታ ሃገር ዛጊት ልዕሊ 4,627,780 ሰባት በቲ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 139,065 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም። * ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ

1,436,433 ሰባት ብሕማም ኮቪድ -19 ተለኺፎም ኣለዉ። * ብመልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ

ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ (665,188)፡ ሞሮኮ (107,743)፡ ግብጺ (102,375)፡ ኢትዮጵያ (71,083)

ከምኡ’ውን ናይጀርያ (57,724) እየን። * ኣብ ኣፍሪቃ፡ በቲ ሕማም ህይወቶም

ስኢኖም ናይ ዘለዉ ሰባት ቁጽሪ 34,587

ክኸውን እንከሎ፡ እተን ሓሙሽተ ቀዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (16,206)፡ ግብጺ (5,822)፡

ሞሮኮ (1,918)፡ ኣልጀርያ (1,698 )፡ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ (1,141) እየን። ምንጪ፦ worldometers.info

ኣብ ዓለም በብግዜኡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ተራእዮም እዮም። ገለ ካብቶም ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ዝጠፍኡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ክታበት ተረኺብዎም እናተኸላኸልናዮም ንነብር ኣለና። እቶም በብእዋኑ ዝተራእዩን ክሳብ ሕጂ ዝረኣዩን ዘለዉ ሕማማት ግቡእ ክታበት እንተዘይርከቦም ነይሩ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 4 ቢልዮን ጥራይ ወይ’ውን ትሕቲኡ ምኾነ ነይሩ ተባሂሉ ይግመት። ሎሚ ንዓለም ምሉእ ዘናወጸ ተላባዒ ሕማም

ኮሮና ቫይረስ እናስፋሕፍሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ንምፍዋሱ ዘኽእል ክታበት ንምርካብ ጻዕርታተን የሐይላ ኣለዋ። ቻይና ክታበት ናይቲ ቫይረስ “ረኺበ ኣለኹ” ትብል ኣላ። ሩሲያ’ኳ “ክታበት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኢደይ ኣሎ” ካብ እትብል ቀንያ እያ። ቻይና ‘መበገሲት’ እቲ ሕማም፣ ሩስያ

ድማ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ዝገብርኦ ዘለዋ ፕሮፓጋንዳ ተባሂሉ ይንቀፍ ብምህላዉ፡ ‘ንኽልቲአን ሃገራት መን ክኣምነን?’ ዝብላ ሃገራት ምዕራብ ኣይተሳእናን። ሎሚ ነፍሲ-ወከፍ ኣብዛ መሬት ዝነብር ሰብ

‘ክታበት ኮሮና ተረኺቡ’ ዝብል ዜና ክሰምዕ ኣእዛኑ ጸልዩ እዩ ዝርከብ። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ ጉዳይ ክታበት ኮሮና ንዓለምና ኣብ ክልተ ገሚዕዋ ኣሎ - ኣንጻር ክታበት ዝጕስጕሱ ሰባት፡ ‘ክታበት ይትረፍኩም’ ይብሉ ኣለዉ።

ንሳቶም ምርካብ ናይዚ ሓድሽ ክታበት ኣብ ምዝመዛ ናይተን ብውሑዳት ሰብ ሃብቲ ናይ ዓለምና ዝምእዘና ኩባንያታት መፍረ መድሃኒት ምእታው’ምበር፡ ካልእ ዝፈጥሮ ተኣምር የለን በሃልቲ እዮም። ክታበት ሕማቕ ድዩ?እዚ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ክታበት ዝተኻየዱ

ብርክት ዝበሉ ሳይንሳዊ ሓቅታት ዘሰነየ እዩ። ዴንማርካዊ ተመራማሪ ፒተር ኤቢ ኣብ

ጊኒ ቢሳው ነዊሕ ዓመታት እዩ ተቐሚጡ። ኣብ 1978 እዩ ናብታ ሃገር ከይዱ። ፒተር፡ ብምኽንያት ንፍዮ ብዙሓት ህጻናት ኣብ ዝሃልቁሉ እዋን’ዩ ናብ ጊኒ ቢሳው ከይዱ። ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክታበት ተኣምራታዊ ውጽኢት ከምጽእ ምስ ርኣየ፡ ዕምሩ መመላእታ ኣብኡ ምርምር እናካየደ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ጊኒ ቢሳው ወፍሪ ክታበት ምስ

ጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝንኣድ ለውጢ እዩ ተራእዩ። ፒተር ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምርምራት፡ 50 ሚኢታዊት ክታበት ዝወሰዱ ህጻናት ካብቶም ክታበት ዘይወሰዱ ህይወቶም ናይ ምስኣን ዕድሎም ብፍርቂ ነክዩ። እቲ ዝገርም፡ እቶም ዝተኸትቡ ህጻናት ብኻልእ ሕማም ናይ ምማት ዕድሎም ብፍርቂ ክንኪ እዩ ክኢሉ።

እቲ ክታበት ክንዮ ንሕማም ንፍዮ ካብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ሕማማት ይከላኸል ከም ዝነበረ ፒተርን ጉጅልኡን ክድምድሙ ክኢሎም። ነዚ’ዩ ምናልባት ክታበት ዓባይ ሰዓል (ቲቢ)፡

ኮቪድ-19 ክከላኸል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ፈተነ ዝግበረሉ ዘሎ። ክልቲኦም ሕማማት ግና፡ ዘመሳስሎም ነገር

የለን። ዓባይ ሰዓል ብባክተርያ፡ ኮቪድ-19 ድማ ብቫይረስ እዮም ዝመጹ። ኣብዚ “ንሓደ ሕማም ተባሂሉ ዝተመሃዘ

ክታበት ብኸመይ ኣብ ካልእ ሕማም ተፈቲኑ ውጽኢት የርኢ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል። ነዚ ኣካታዒ ጉዳይ ንምርዳእ ሕማም ዓባይ

ሰዓል ንውሰድ። እዚ ሕማም’ዚ፡ ንሓያሎ ዓመታት ጸላኢ ወዲ ሰብ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ፈረንሳውያን ተመራመርቲ፡ ኣልበርት ካልሜትን ካሚል ጉሪንን ክታበት ረኺቦምሉ። እታ ክታበት ንምርካብ ልዕሊ 13 ዓመታት እዩ ወሲዱ (ካብ 1908 ክሳብ 1921)።ናይ’ዚ ሕማም ክታበት እንተዘይርከብ ነይሩ፡

ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ምሃለቐ ዝብል ግምታት ሰብ ሞያ ጥዕና እዩ ዝወሃብ።እቶም ፈረንሳውያን ተመራመርቲ፡ ከመይ

ኣቢሎም ነቲ ክታበት ረኺቦምዎዶ ኢልኩም? በቲ ግዜ ክታበት ዓባይ ሰዓል ምርካብ ዳርጋ ክታበት ‘ኤች. ኣይ. ቪ’ ወይ’ውን ‘ኮቪድ-19’ ምርካብ እዩ ዝቑጸር ነይሩ። ንሳቶም፡ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ብዝተጠቕዐት

ላም ካብ ዝተረኽበ ጸባ ኣብ ዘካየድዎ ምርምር እዮም ነቲ ክታበት ክረኽብዎ ዝኸኣሉ። ኣብ 1921 ኣብ ሓደ ህጻን ተፈቲኑ ዕዉት ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ ድማ ህይወት ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም የድሕን ኣሎ። እቲ ዝገርም ነገር፡ ዓባይ ሰዓል ንምፍዋስ

ተባሂሉ ዝተዳለወ ‘ቢ.ሲ.ጂ.’ ዝተባህለ ክታበት፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ክከላኸል ምኽኣሉ’ዩ። ብዙሓት እዚ ክታበት ዝተዋህቦም ህጻናት፡ ካብ ሞት ክተርፉ ተራእዮም እዮም። ድሕሪ እዚ ክታበት፡ ሞት ህጻናት ብ79

ሚእታዊት ክንኪ ከም ዝኸኣለ እዮም ሕክምናዊ

ጸብጻባት ዘመልክቱ። ክታበት ዓባይ ሰዓል፡ ንሕማማት ጉንፋዕ፡ ‘ሴፕቲሴሜያ’ን ‘ሄርፒስ’ን ከም ዝከላኸል ተመራመርቲ ብመጽናዕቲ ክበጽሕዎ ክኢሎም እዮም። “ከመይ ኢሉ’ዩ ንሓደ ሕማም ዝተሰርሐ

ክታበት ንኻልኦት ዝፍውስ?” ዝብል ሕቶ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ብሳይንሳዊ ምርምር ዝወሃቡ

ዘለዉ መርትዖታት፡-* ደቀቕቲ ኣካላት (ማይክሮኦርጋኒዝምስ)

ናይ ገለ ካብቶም ሕማማት ዝተፈላለዩ’ኳ እንተኾኑ፡ ዘራኽቦም ዝኾነ ዓይነት ‘ኣንቲጂን’ ኣሎ ዝብል እዩ። ‘ኣንቲጂን’ ሞሎኲላት’ዮም። ተፈጥሮኣዊ

ናይ ምክልኻል ዓቕምና የዕብዩ። ዝኾነ ጸረ-ጓና ኣካል ናብ ሰብነትና ክኣቱ እንከሎ፡ ቀልጢፎም ሓበሬታ ዝህቡ ንሳቶም’ዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ህጻን ክታበት ዓባይ ሰዓል

(ማለት ‘ቢ.ሲ.ጂ.’) ክውጋእ እንከሎ መጀመርታ ይበኪ። ድሓር እቲ ክታበት ናብ ሰብነቱ ይኣቱ። ሰብነቱ ምስቲ ሓድሽ ክታበት ይላለ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ክታበት ንዘሎ ፕሮቲን ክላለዮ ይጅምር። ንእግረ መንገዱ’ውን ነቶም ኣብቲ ክታበት ዘለዉ ባክተርያ የስተብህለሎም። እቲ ፕሮቲን ኣብ ዘይፍለጡን ዘይተጸበናዮምን ናይ ባክተሪያ ኣካላት ዝርከብ እዩ። በዚ እዩ ድማ፡ ሓደ ክታበት ትጽቢት ብዘይተገበረሉ ደረጃ ንኻልእ ባክተርያ ወይ ቫይረስ ክከላኸል ዝኽእል። * ክታበት ንኹሉ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ

ሰብነትና እዩ ዘንቅሕ።ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ክልተ ዓይነት ሕማም

ዝከላኸል ሰራዊት’ዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ቀልጢፉ ኢዱ ብምሃብ ነቲ ናብ ሰብነትና ዝኣቱ ሕማም ተሳንዩ ዝነብር እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ተፈጥሮኣዊ ሕማም ዝከላኸል ሓይሊ (innate immune system) እዩ። እዚ እቲ ዝሓየለ መከላኸሊ ዓቕሚ ኮይኑ እንተሒዙ ኣይሰድድን እዩ። ስለዚ፡ ኣካላትና ክታበት ‘ቢ.ሲ.ጂ.’ ክወስድ

እንከሎ፡ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ብሓድሽ መልክዕ ናይ ምውዳብ ሓይሊ ኣለዎ። እዚ ማለት ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝከላኸል ሰራዊት ምድላው ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድሽ ናይ ምክልኻል ሜላ ዝወረሰ ሰራዊት’ውን ይፈጥር። “በዚ ምኽንያት፡ ሓደ ክታበት ንገለ ሰባት

መንሽሮን ምስ እርጋን ብዝተሓሓዝ ጸገም ኣእምሮ (ዲሜንሺያ) ክከላኸለሎም ንዕዘብ ኣለና” ይብል ዴንማርካዊ ተመራማሪ ፒተር ኤበ።ክታበት ዓባይ ሰዓል፡ መንሽሮ ፍሕኛ

ንምፍዋስ’ውን የገልግል እዩ። ሕሙማት መንሽሮ ፍሕኛ፡ ብክታበት ‘ቢ.ሲ.ጂ.’ እንተሓውዮም ብ‘ኣልዛይመር’ ቀልጢፎም ኣይጥቅዑን እዮም። እዚ እዩ እቲ ዝገርም ነገር። ዝኾነ ክታበት ካልእ ጎድናዊ ሳዕቤን ከም

ዘለዎ’ውን ክንዝንግዕ የብልናን።

ምንጪ፦ bbc