12
ስ/ኣካል መብራህቱ ስ/ፊልሞን ትካቦ ስ/ዮናታን የዕብዮ መበል 26 ዓመት ቁ.57 ቀዳም 5 ሕዳር 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 8 ገጽ 7 ኣእምሮ፡ ምስጢራቱ ዘየካፈለ ... እታ ጻዕራም ስድራ! ፍቕሪ ርትዓዊ ድዩ. . .? ዒራቕ - ሞሱል ምስ ... ኤሪተል መሪሕነታ... ልዕሊ 160 ስድራ-ቤታት ጣዕረሺ - ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ጥዕናኦም ንምሕላው ንዝወጸ ፕሮጀክት ‘ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት’ ብዓወት ተግቢሮም። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ኣቶ ተስፉ ፍስሃጽዮን፡ ብ31 ጥቅምቲ ነቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምምራቕ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ፕሮጀክት፡ ካብ 28 ዓድታት - እተን 24 ምሉእ ብምሉእ ብምትግባረን፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዓይኒ-ምድሪ ከምእተሃንጸ ሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ ዳይረክተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ ድማ፡ ኣብ ገጠራት ዝተኣታቶ ዘሎ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነበርቲ ጣዕረሺ ንዝወሰድዎ ተበግሶ መጒሱ። መደብ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት፡ ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ 86 ዓድታት ብምትግባሩ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዓይኒ-ምድሪ ክኾኑ ከምዝበቕዑ፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል የረድኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምስሳን ዝዓለመ ዘተ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ትካላት መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ማሕበር ተራድኦ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣቶ ተስፋልደት ገብረጻድቕ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ፍርያት ጸባን ውጽኢቱን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምውሓስ፡ ምስ ዝምልከተን ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ። ሕጽረት ጠለብ ጸባ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ’ታ ከተማ ተድኲና እትርከብ ፋብሪካ መዐሸጊ ጸባ ስርሓ ዘይምጅማራ፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት መግቢ ናይ ጸባ ከብቲ ንዕቤት ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምስሳን ዝዓለመ ዘተ ተኻዪዱ ፍርያቶም ዓንቂጹ ካብ ዘሎ ምዃኑ ዘብርሀ ኣቶ ተስፋልደት፡ ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ። ዋና ዳረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ብሓፈሻ፡ ጠለባት ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ደረጃ ብደረጃ ንምምላእ፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምውህሃድ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምውሓስ መግቢ ጥሪት ቀዳምነት ክወሃቦ፡ ምክፍፋል ዝተመስርሐ መግቢ እንስሳ ግቡእ ምቊጽጻርን ምክትታልን ክግበረሉ፡ ኣብ መንደፈራ እትርከብ ፋብሪካ መዐሸጊ ጸባ ስርሓ እትጅምረሉ ባይታ ክፍጠር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ - ከባቢታት ባረንቱ፡ ዳሴን ዓናጉሉን ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዝነጥፉ ሓረስቶት፡ ብ31 ጥቅምቲ መስራቲ ጉባኤ ኣቃኒዖም። ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ጉባኤ፡ ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዮናስ ተስፋጋብር፡ ብማሕበር ምጥርናፍ፡ ኣድማዒ ስራሕ ንኽዓሙን ተመኲሮ ንኽለዋወጡን፡ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ናይ ዕዳጋ ባይታ ረኺቦም ፍርያቶም ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ከምዝሕግዞም ኣረዲኡ። ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መብራህቶም ገብርሂወት ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ገማግም ሩባታት ጋሽ፡ ባረንቱን ዳሴን ከልምዑ ዝጸንሑ ሓረስቶት፡ ተጠርኒፎም ውጽኢታዊ ስራሕ ክዓሙ ምእንቲ፡ ዘድሊ ምክትታልን ምትሕጋግዝን ክግበረሎም ምዃኑ ገሊጹ። እቶም ሓረስቶት፡ ንማሕበሮም እተካይድ ኣካል ድሕሪ ምምራጽ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ክገብረሎም ንዝጸንሐ ሓገዛት፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ክቕጽል ትጽቢቶም ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ኣስታት 110 ሄክታር ዘልምዑ 25 ምዝጉባት ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምዘለዉ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ይሕብር። ኣብ’ቲ ዞባ፡ 8 ማሕበራት ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ምህላወን እውን ይፍለጥ። ባረንቱ - ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ቈይሙ

ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

  • Upload
    others

  • View
    1

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ስ/ኣካል መብራህቱ

ስ/ፊልሞን ትካቦ

ስ/ዮናታን የዕብዮ

መበል 26 ዓመት ቁ.57 ቀዳም 5 ሕዳር 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 8ገጽ 7

ኣእምሮ፡

ምስጢራቱ

ዘየካፈለ ...

እታ

ጻዕራም

ስድራ!

ፍቕሪ

ርትዓዊ

ድዩ. .

.?

ዒራቕ - ሞሱል ምስ ... ኤሪተል መሪሕነታ...

ልዕሊ 160 ስድራ-ቤታት ጣዕረሺ - ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ጥዕናኦም ንምሕላው ንዝወጸ ፕሮጀክት ‘ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት’ ብዓወት ተግቢሮም። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡

ኣቶ ተስፉ ፍስሃጽዮን፡ ብ31 ጥቅምቲ ነቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምምራቕ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ፕሮጀክት፡ ካብ 28 ዓድታት - እተን 24 ምሉእ ብምሉእ ብምትግባረን፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዓይኒ-ምድሪ ከምእተሃንጸ ሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና

ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩዳይረክተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ ድማ፡ ኣብ ገጠራት ዝተኣታቶ ዘሎ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነበርቲ ጣዕረሺ ንዝወሰድዎ ተበግሶ መጒሱ።መደብ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ

ጽሬት፡ ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ 86 ዓድታት ብምትግባሩ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዓይኒ-ምድሪ ክኾኑ ከምዝበቕዑ፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል የረድኡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምስሳን ዝዓለመ ዘተ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኻዪዱ።ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ትካላት መንግስትን

ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ማሕበር ተራድኦ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣቶ ተስፋልደት ገብረጻድቕ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ፍርያት ጸባን ውጽኢቱን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምውሓስ፡ ምስ ዝምልከተን ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።ሕጽረት ጠለብ ጸባ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ’ታ

ከተማ ተድኲና እትርከብ ፋብሪካ መዐሸጊ ጸባ ስርሓ ዘይምጅማራ፡ ከምኡ’ውን ሕጽረት መግቢ ናይ ጸባ ከብቲ ንዕቤት

ምህርቲ ጸባን ውጽኢቱን ንምስሳን ዝዓለመ ዘተ ተኻዪዱፍርያቶም ዓንቂጹ ካብ ዘሎ ምዃኑ ዘብርሀ ኣቶ ተስፋልደት፡ ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ።ዋና ዳረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን

ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ብሓፈሻ፡ ጠለባት ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ደረጃ ብደረጃ ንምምላእ፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምውህሃድ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምውሓስ መግቢ

ጥሪት ቀዳምነት ክወሃቦ፡ ምክፍፋል ዝተመስርሐ መግቢ እንስሳ ግቡእ ምቊጽጻርን ምክትታልን ክግበረሉ፡ ኣብ መንደፈራ እትርከብ ፋብሪካ መዐሸጊ ጸባ ስርሓ እትጅምረሉ ባይታ ክፍጠር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ - ከባቢታት ባረንቱ፡ ዳሴን ዓናጉሉን ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዝነጥፉ ሓረስቶት፡ ብ31 ጥቅምቲ መስራቲ ጉባኤ ኣቃኒዖም። ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ጉባኤ፡ ካብ ጨንፈር

ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዮናስ ተስፋጋብር፡ ብማሕበር ምጥርናፍ፡ ኣድማዒ ስራሕ ንኽዓሙን ተመኲሮ ንኽለዋወጡን፡ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ናይ ዕዳጋ ባይታ ረኺቦም ፍርያቶም ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ከምዝሕግዞም ኣረዲኡ። ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መብራህቶም ገብርሂወት ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ገማግም ሩባታት ጋሽ፡ ባረንቱን ዳሴን ከልምዑ

ዝጸንሑ ሓረስቶት፡ ተጠርኒፎም ውጽኢታዊ ስራሕ ክዓሙ ምእንቲ፡ ዘድሊ ምክትታልን ምትሕጋግዝን ክግበረሎም ምዃኑ ገሊጹ።እቶም ሓረስቶት፡ ንማሕበሮም እተካይድ

ኣካል ድሕሪ ምምራጽ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ክገብረሎም ንዝጸንሐ ሓገዛት፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ክቕጽል ትጽቢቶም ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ኣስታት 110

ሄክታር ዘልምዑ 25 ምዝጉባት ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምዘለዉ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ይሕብር። ኣብ’ቲ ዞባ፡ 8 ማሕበራት ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ምህላወን እውን ይፍለጥ።

ባረንቱ - ማሕበር ኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ቈይሙ

Page 2: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 2መበል 26 ዓመት ቁ.57

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፋሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡55 ኣብዚ ሰሙን’ዚ13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ፓኖራማ14፡15 ተኸታታሊት ፊልም ቻይና E-14 14፡50 sport highlights15፡35 N/Geographic16፡35 ሄራር 17፡25 መደብ ሙዚቃ 18፡10 ማእገር20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ጉዳይ ኣብ ዘተ21፡00 ዜና ትግርኛ 21፡25 ጩራ ጥዕና22፡00 ዜና ዓረብ 22፡10 Tec insight 22፡30 ዜና እንግሊዝ 22፡40 FILM

ሎሚ ኣብ ERI-TV

ሰዓት መደብ

9፡00 ካርቱን

9፡28 ሄሎው ደባይ

11፡05 ሙ/ድራማ

11፡35 ፓኖራማ

12፡15 ዶክተራት ኣብ ስትድዮ ብቐጥታ

13፡30 ጋህዲ

14፡00 ሞዛይክ ብቐጥታ

16፡30 መላምሕ

16፡50 ኣብዚ’ሰሙን’ዚ

17፡25 ማእገር ብቐጥታ

18፡10 ህርመት

18፡55 ዜና ትግረ

20፡10 ተኸታታሊት ፊልም ሻካት 10ይ ክፋል

21፡00 ዜና ትግርኛ

21፡25 ድባብ ብቐጥታ

22፡00 ዜና ዓረብ

22፡10 TEc INsIGhT

22፡30 ዜና እንግሊዝ

22፡40 FILM

ሰኑይ 07/11/2016

ሰዓት መደብ

09፡00 ካርቱን

09፡28 ምኽሪ ሞያውያን

10፡05 N/Geographic

11፡00 ዘተ ስፖርት

11፡45 ፓኖራማ

12:30 ዜና ትግርኛ

12:50 ካብ ዞባታት

13:30 ዜና ዓረብ

13:40 መላምሕ

14:00 ናትራን ብቐጥታ

16:00 ዶክተራት

17:10 ተኸታታሊት ፊልም ቻይና E-13

17:55 ጩራ ጥዕና

18:45 ሙ/ድራማ

20:00 ዜና ትግረ

20:10 ጋራት

21:00 ዜና ትግርኛ

21:20 ዶኩሜንታሪ መደብ

22:00 ዜና ብዓረብ

22:10 Tech insight

22፡30 ዜና እንግሊዝ

22:40 FILM

ሰንበት 06/11/2016ውዳቤ ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ

ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ፡ ካብ 25 ክሳብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ፍራንክፈርት - ጀርመን ኣካዪዱ።እቲ - ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ

ተኽኣ ተስፋሚካኤል ዝተረኸበትሉ ኣኼባ፡ ብቐንዱ እቲ ውዳበ ዕማማቱ ንምስልሳልን ሸቶታት ማሕበር ንምውቃዕን ናይ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብልጫታትን ሕጽረታትን ብምግምጋም፡ ሓድሽ መደባት ስራሕ ንምስኣል’ዩ።ተሳተፍቲ፡ ተራ ኣባላት ማሕበር - ኣብ

ምዕዋት ቊጠባዊ ዕብየትን ልምዓትን ሃገር፡ ንቕሓትን ውዳበን ደቂኣስንትዮ ንምሕያል ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውጽኢቶምን፡

ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ብሰፊሑ ዘትየን። ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ዘልዓለ ሞያዊ ኣስተምህሮታት እውን ተዋሂቡ።ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡

ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይ፡ ኣድማዕነትን ልክዕነትን ዝወጹ መደባት ንምርግጋጽን ኣበርክቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምድራኽን፡ ኣባላት ውዳበ ጻዕርታተን ከሐይላ ኣዘኻኺራ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባላት

ዝተፈላለያ ሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ብ30 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ በርን፡ ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ከምዘካየዱ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ’ቲ ሰሚናር፡ ኣባላት ውዳቤታት

ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘትዮም

ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ ሽማግለ መኸተን ማሕበረ-ኮማትን ተሳቲፎም።ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ

ስዊዘርላንድ ኣቶ በረኸት ወልደዮውሃንስ፡ ውህደት ህዝብን መንግስትን ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን፡ መሰረታዊ ረቛሒ ንዓወት ስለዝኾነ - ብሰፊሑ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ቊጠባዊ ሓርነት ንምውሓስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣበርክቶ ዜጋታት ብዝተፈላለየ መልክዑ ክድንፍዕ ከምዝግባእ ድማ ኣስሚሩሉ።ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ዝትለሙ

መደባት ንምዕዋትን ሓቀኛ ምስሊን ክብርታትን ሃገሮም ንምንጽብራቕን፡ ጻዕርታቶም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም።

ብቑዕ መንእሰይ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ውሁድ ኣበርክቶ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ሕብረተ-ሰብን ክዓዝዝ፡ መድረኽ ዝጠልቦ

ሕቶ ምዃኑ፡ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ተገሊጹ።ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ጨናፍር

ሚኒስትሪታት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ወለድን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ሓላፊ ሃመማተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ ብኹሉ መዳዩ ብቑዕ መንእሰይ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝነብረሉ ሕብረተ-ሰብን ዝዓበየሉ ከባብን ስለዝኾነ፡ ወለዲ ደቆም ብስነ-ምግባርን ሃገራዊ ክብርታትን ተዀስኲሶም ክዓብዩ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከካይዱ ኣተሓሳሲቡ።ጉዳይ መንእሰያት፡ ንማሕበር

መንእሰያትን ተመሃሮን ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ከተማ ሰንዓፈ፡ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት ብወገኑ፡ ሞያን ፍልጠትን ዝዓጠቐ፡ ክብርታት ሕብረተ-ሰቡ ዘስረጸ፡ ከምኡ’ውን ረብሓ ሃገር ዘቐድም መንእሰይ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ዝሰርሓሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።ተሳተፍቲ፡ ተረከብቲ ሕድሪ

መንእሰያት ንምዂስኳስ ዝካየድ ጻዕሪ ንምዕዋት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ዘለዎም ድልውነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መዘናግዒ ማእከል መንእሰያት ክህነጽ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክቕጽል፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሰንዓፈ - ኣብ ምህናጽ ‘መንእሰይ’ ዘተኰረ ርክብ ተኻዪዱ

Page 3: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 3መበል 26 ዓመት ቁ.57

ኣእምሮ ወዲ-ሰብ፡ ካብ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ሓሳባትን ንጥፈታትን ሂወት ወዲ ሰብ ዝእዝዝን ዘመሓድርን ክፋል ኣካል እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ እዩ እምበኣር፡ ዝበዝሐ ካብ ጸዓት ኣካላትና ዘህልኽ። እዚ ማለት፡ 20% ካብ’ቲ ኣካላትና ዘኻዕበቶ ሓይሊ፡ ሓንጐልና የህልኾ። ንምስጢር ናይ’ዚ ብገምጋም ካብ ሓደ ኪሎ ክሳብ ኪሎን ፈረቓን ዝምዘን ኣካል ወዲ ሰብ ማለት፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት ወዲ-ሰብ ዘለዎ ዕዙዝ ኣበርክቶ፡ ዕዮ ኣብ ምስልሳል ዘጋጥሞ ጸገማት፡ ንምፍዋሱ ዘድልዮ ሜላታት፡ ብሓፈሻ ነቲ ዝተሓላለኸ ውረድ-ደይብ ንምግላህ፡ ስነ-ፍልጠተኛታት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝበዝሐ ግዜ፡ ንዋትን ኣስተብህሎን ወፍዮሙሉ እዮም። እንትርፎ ሓደ-ሐደ በብግዚኡ ብልጭ ዝብሉ ምርምራውያን ዓወታት ግን ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ ውጽኢት ኣይተረኽቦን ዘሎ። እዞም ርኽበታት እውን ብሰንኪ ምስጢራዊነት ሓንጎል፡ ነቲ ግዙፍ ጸገማት ከቃልሉ ኣይከኣሉን ዘለዉ። ሓንጎልና፡ ንመንነትና፡ ናይ ምሉእ ሂወትና ዝኽሪ፡ ኣመንጫዊ ሓሳባት፡ ድንቂ ዕዮታትን ውክልናታትን ዓለምና ዝተሰከመ ኣገራሚ ፍጥረት እዩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝተፈላለዩ ለውጥታት እናርኣየ፡ ንቐጻልነት መንብሮ ወዲ ሰብ የውሕስ።ንድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ኣብ

ምርምራዊ ዕዮታት ዝተጋህዱን ክርከቡ ዝህቀኑን ርኽበታት ምስ እንዕዘብ፡ ካብ’ዞም ሎሚ እነንብቦም ምርምራዊ ጽሑፋት ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም። ኣብ ጥንታዊ ዘመናት ዝነበሩ ስነ-ፍልጠተኛታት ተመራመርቲ፡ ሓንጎል ከም ዓልገት ወይ ሓፊስ ፈሳሲ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም። ህቡብ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል፡ ከም ሓደ መዝሓሊት ማኪና፡ ንኣካላትና ብፍላይ ከኣ ንልቢ ከም እተዝሕል ገይሩ ይርደኦ ነይሩ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ክሳብ ዘመነ ተሃድሶ (Renaissance) ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ-ሰብ ኣተኲሮም ዝመራመሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ንሓንጎል ከም ኣረኣእያና፡ ስምዒታትና፡ ምኽንያታትናን ምንቕስቓሳትናን ኣብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ምስጢራዊ ብዝዀነ ማሪታዊ መንገዲ ዝሰርሕ ኣካል ከም ዝዀነ እምነት ነይሩዎም። ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ዝተኸስተ ሳይንሳዊ ምዕባላታት ግን፡ ነዚ ግጉይ ርድኢታት ብኸፊል ከህስሶ ክኢሉ እዩ። ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበረ ቶማስ ዊሊስ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ተመራማሪ፡ ንሓንጎል ከም ተምሳል ሕብስቲ (ቶርታ)

ነስረዲን ኣደምኑር ኣእምሮ፡ ምስጢራቱ ዘየካፈለ ኣገዳሲ ኣካል ወዲ ሰብ!ን ብምምስቓል ዝተሃንጸን ንኹሉ ስምዒታትና ዝውክልን ኣካል ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣብ ስርሑ ንኽሕግዞ፡ ኣቃውማ ሓንጎል በጊዕ፡ ከልቢን ዝሞቱ ሰባትን ተጠቒሙ፡ ናይ ፈለማ ስእሊ ሓንጎል ወዲ-ሰብ ከቕርብ በቒዑ ነይሩ።ተመራመርቲ፡ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ

ኤለክትሪካዊ ኣካል ምዃኑ ንኽግንዘቡ ሓደ ዘመን ምሉእ እዩ ወሲዱሎም። ኣብ ክንዲ እቲ ‘ሓንጎል ናይ እንስሳ ማሪታዊ እምነት እዩ ዝውክል’ ዝብል ኣበሃህላ፡ ‘ከም መስመራት ኤለትሪክ ብዝመሳሰል ናይ ቮልተጅ ምንቅስቓስ እዩ ንጥፈታቱ ዘካይድ’ ዝብል ኣምር። ዋላ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን እውን፡ ተመራመርቲ ትሑት ኣፍልጦ እዩ ነይሩዎም። ራሞን ካል ዝተባህለ ስጳኛዊ ተመራማሪ ግን፡ ካብ’ቶም ቅድመኡ ዝነበሩ ፍልይ ብዝበለ፡ ኣብ ውልቀ ዋህዮኣዊ መትኒ ወይ (neuron) ኣተኲሩ ብምጽናዕ፡ ‘ሓደ ዋህዮ ነቲ ሓደ ብዝልእኮ ኬሚካላዊ ጸርጊ እናተሓገዘ፡ ናብ’ቲ ጥቓኡ ዝርከብ ዋህዮ መልእኽቲ የመሓላለፍ’ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ። እዚ ርኽበት’ዚ፡ ነቶም ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ ተመራመርቲ ከም እምነ ኩርናዕ ኰይኑ የገልግሎም ኣሎ። ብገምጋም፡ ኣብ ሓደ እኹል ሓንጎል ወዲ-ሰብ፡ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዋህዮታት ይርከቡ።‘2014፡ ኣብ ምርምር

ሓንጎል ወዲ-ሰብ እምነ ኩርናዕ ዘንጸፈት ዓባይ ዓመት እያ ነይራ’ ይብሉ ብዙሓት ኣብ’ቲ ዓውዲ ኣተኲሮም ዝዓዩ ዘለዉ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት። ኒዮርክ ታይምስ ዝተባህለት ኣብ ኣሜሪካ እትሕተም መጽሄት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጸኣቶ ሕታም፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኣብ ምዕባለ ወዲ-ሰብ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ምዃኑ ገሊጻ። ነዚ ዝድለ ዓወታት ኣብ ምምጻእ ድማ እዞም ዘለዉ ሳይንቲስት ብቑዓት ምዃኖም ትምጉት። ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራማራይ ጋሪይ ማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The World’s Leading Neuroscientists, ኣብ ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፉ ኣብ ዘቕረቦ ትንታነ “እዚ ሕጂ እንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት፡ ኣብ’ዚ ዓውዲ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ኒውሮ ሳይንስ፡ እኩብ ተጨበጥቲ ሓሳባት፡ ናብ ክልሰ ሓሳብ (Theory)

ዝምዕብለሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና። ግን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓደ ሓቂ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ብዙሕ ዝተርፈና ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ” ኢሉ። እዋናዊ ፕረዚደንት ሕቡራት

መንግስታት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ 2013 ተበግሶታት ናይ ሓንጎል (BRAIN Initiative.) ዝተባህለ ዓቢ ፕሮጀክት ክበጋገስ ከሎ “ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዝምዝገብ ዘሎ ምዕባለታት፡ ማዕረ እቲ ኣብ 1960ታት፡ ኣብ ቅድድም ናብ ጠፈር ዝተመዝገበ ዓወታት እዩ ዝስራዕ።” ኢሉ ነይሩ። እዚ ትስፉው ፕሮጀክት፡ ኣብ ዝስዕብ 10 ዓመት፡ ኣብ ምምዕባል ሓደስቲ ቴክኖሎጂታትን ንምርምር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ዝውዕል ኣስታት 4.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዕሉ ኣሎ። ብዘይካ እዚ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ኤውሮጳ እውን ተመሳሳሊ መደባት ዝሓዘ ምርምራዊ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ። ድሮ እውን ብዙሕ ምዕባለታት ከም ዘርኢ ዘሎ ክጥቀስ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ተመራመርቲ ብወገኖም፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ብምድህሳስ፡ ኣብ

ምምዕባል ሓደስቲ ሮበታውያን ዕዮታት ክጥቀሙሉ ክኢሎም ኣለዉ።ገለ ካብ’ቶም ኣገረምቲ ግን ከኣ

ዘይነስተብህለሎም ምስጢራውያን ሓቅታት ሓንጎል ወዲ-ሰብ ንምጥቃስ እምበኣር፡ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ካብ ገዛእ-ርእሱ ዝሓብኦም ብዙሓት ምስጢራት ኣለዉ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ብዘይፍላጥ ኣብ ነገራት ዘለና ኣስተብህሎ ነጉድል እሞ፡ ነቶም እንዕዘቦም ነገራት ከም ዘይረኣናዮም ኰይንና ንሓልፎም፣ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና እውን ከም ዘይረኣናዮም ኰይኑም ይምዝገቡ። እዚ ማለት፡ ሳሕቲ ከም ዕዉራት ኰይንና ንነገራት ብሸለልትነት ንሓልፎም ኢና። ምኽንያቱ፡ ንዓና ኣብ ዘገድሰና ጥራይ ኣተኲርና ስለ እንዕዘብ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሰለስተ

ክሳብ ኣርባዕተ ነገራት ጥራይ ኢና ብተኸታታሊ ክንዝክር እንኽእል። ኣብ ስነ-ልቦና “ትንግርቲ ቁጽሪ ሸውዓተ ተደመሮ ወይ ዝጎደሎ ክልተ” ዝበሃል

ኣምር ኣሎ። እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ካብ 5-9 ብዝሒ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ብስሩዕ ከሰላስል ኣይክእልን እዩ ዝብል። ኣብ መኽዘን ግዝያዊ ተዘክሮ ኣእምሮና ንሓጺር እዋናት እንሕዞም ብዙሓት ዝኽርታት ኣለዉ። እዞም ዝኽርታት ካብ 20-30 ሰከንድታት ጥራይ እዮም ዝጸንሑ - ብድሕሪኡ ግን ይጠፍኡ። እንትርፎ ንሓንጎልና ደጋጊምና ብምዝኽኻር ክግደሰሎም ከም ዘለዎ እንተ ዘይሓቢርናዮ። ዝበዝሐ ሰብ፡ ኣስታት ሸውዓተ ቁጽርታት ንሓጺር ጊዜ ክዝክር ዝኽእል’ኳ እንተ ዀነ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ቁጽርታት ኣብ ሓደ ጊዜ ክዝክር ግን ዝከኣል ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዝድግፍ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ንኣብነት ቁጽሪ ተሌፎናት ክትዝክር ክትፍትን ከለኻ እስከ ተመልከት? ኣብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጉጅለታት ብምስራዕ ኢኻ ክትዝክሮም ትኽእል። እንተ ንምሉእ ቁጽሪ ብሓንሳብ ክትሕዝ ምፍታን ግን ተረሳዓይ እዩ።ምዝማድ ናይ ቀይሕን ሰመያዊን

ሕብርታት ንኽንግንዘቦም የሸግሩና እዮም። ዋላ’ኳ ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባንዴራታት እዞም ሕብርታት እዚኣቶም ንዕዘቦም እንተ ዀንና፡ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝስርዑሉ እዋናት ግን ንኽንግንዘቦም ከም እንጽገም ይንገር። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሳዕቤን ናይ’ቲ ክሮሞስቴሮፖሲስ (chromostereopsis) ዝተባህለ ዓውደ ትርኢት እዩ። ገለገለ ሕብርታት ምስ ካልኦት ሕብርታት ክጽግዑ ከለዉ ይዋሓጡ፣ በዚ መሰረት እምበኣር ቀይሕን ሰማያዊን ከምኡ እውን ቀይሕን ቀጠልያን ጎኒ ንጎኒ ክራኸቡ ከለዉ፡ ንኣዒንትና ከቘጥዕዎም ወይ ከሸግሩና ይኽእሉ።ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 30% ካብ

ግዜና ኣብ ሕልሚ ቀትሪ (ብሓሳብ ሃረር ኣብ ምባል) ነሕልፎ። ኣካላትናዶ ንሓንሳብ ክብድብድ ይብለና? ኣእምሮና ኣብ ሕልሚ ቀትሪ ስለ ዝጽመድ እዩ። ብተመራመርቲ ስነ-ልቦና ከም ሕማቕ ተርእዮ ኣይቁጸርን እዩ። ምኽንያቱ፡ ዝተፈላለዩ ምርምራት ከም ዘነጽርዎ፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ዝቓዝኑ ወይ ሃረር ዝብሉ ሰባት፡ መሃዝትን ሓያል ብቕዓት ኣፈታትሓ ዝተፈላለየ ግድላት ዘለዎምን ምዃኖም እዩ።

ሓደ ኣመል ንኽስርት ኣስታት 66 መዓልታት ይወስደሉ። እቲ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ባህርያት ዘለዎ ኣካይዳ ምስ እንኽተል፡ ንኽንለምዶ ዝነውሐ ግዜ ይሓትተና። ንኣብነት ልምዲ ምብላዕ ፍረታት ካብ ምጥራይ፡ ልምዲ ምስራሕ ስፓርት ምጥራይ ብ1.5 ዕጽፊ ይኸብድ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግን፡ ዋላ ሓደ ክልተ መዓልታት ካብ ምስራሕ እንተተጎናደብካ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ክሳብ ዘይኰነ፡ እቲ እተቋርጸሉ ግዜ ኣብ ምጥራይ ልምዲ ወይ ኣመል ብዙሕ ተራ የብሉን።ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ክንህሉ ከለና

ሕጉሳት ንኸውን። እዚ ማለት፡ ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ እሞ ንነብስና ንውሰዳ፡ ናብ’ቲ ሰናጡኻ ዘለዎ ከባቢ ንምብጻሕ ኣስታት 12 ደቓይቕ ይወስደልካ ይኸውን። ኣብኡ ምስ በጻሕካ፡ ብቐጥታ ሳንጣኻ ክትወስድ ትደሊ። ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚ እሞ ሕሰብ፣ ሰናጡኻ ኣብ ዘለዎ ቦታ ንኽትበጽሕ ክልተ ደቓይቕ ጥራይ ይወስደልካ ይኸውን፣ ሳንጣኻ ክሳብ እትመጽእ ንኽትጽበያ ግን 10 ደቓይቕ ይወስደልካ። ዋላ’ውን ክልቲኡ ንጥፈት ሓደ ዓይነት ግዜ ይውሰደልካ ግን እቲ ካልኣይ ንጥፈት ኣዝዩ እዩ ዘቘጥዓካ፣ ምክንያቱ፡ ሰባት ብዝዀነ ምኽንያት ንጡፋት ንኸይኰኑ ዝገትኦም ምስ ዝረኽቡ ድስኩላት ምዃን ስለ ዝመርጹ። ዋላ’ኳ እዚ ኩነት እዚ ሓይሊ ዝዕቅበልና እንተ ዀነ፡ ድስኩል ምዃን ንባዕሉ ዓቕሊ ጽበትን ዘይሕጉስን ይገብር።እዞም ኣቐድም ኣቢልና ዝዘርዘርናዮም

ሓቅታት፡ ሓንጎልና ማዕረ ክንደይ ምስጢራዊን ብልሂን ምዃኑ ዘረድኡ እዮም። ኣብ ምምዕባል ኣእምሮኣዊ ሳይንስ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ምዕባለታት ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ ኣዝዩ እዩ ዘወናውን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ምፍታሕ ሕማም ረሲዕ፡ ኦቲዝም፡ ዳውንሲንድሮምን ካልኦት ናይ ሓንጎል ሕማማትን ዝሓሸ ፍወሳ ከምጽእ ስለ ዝዀነ። ስለ’ዚ እዩ እምበኣር ወዲ-ሰብ ንዓወት እዚ ምዕባለታት ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ።

ምንጪ መጽሄት - The Economist – -National Geograpy

Page 4: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 4መበል 26 ዓመት ቁ.57

***

***

Page 5: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 5መበል 26 ዓመት ቁ.57

ሞሱል፡ ድሕሪ ከተማ ባቕዳድ - ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ስትራተጂያዊት ከተማ ዒራቕ እያ። ዝበዝሑ ነበርቲ ናይ’ዛ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዒራቕ እትርከብ ከተማ፡ ተኸተልቲ እምነት ሱኒ ዝኾኑ ዓረብ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣሲሪያውያን፡ ኣርመኒያውያን፡ ቱርክመናውያን፡ ኩርዳውያን፡ ያዚዳውያንን ካልኦት ሓያለ ዓሌታትን’ውን ኣብኣ ብብዝሒ ይነብሩ። ዒራቓውያን ሱኒ፡ ድሕሪ ውድቀት ናይ’ቲ ብሳዳም ሑሰን ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ባዓስ፡ በቶም ኣብታ ሃገር ዓብለልቲ ዝኾኑ ተኸተልቲ ሺዓ ይጓነዩ፡ ይህመሹን ይጭፍጨፉን ከምዘለዉ’ዮም ከማርሩ ጸኒሖም። ነበርቲ ሞሱል ዝኾኑ ሱኒ ድማ፡ ዝያዳ ግዳይ ናይ’ቲ ብሺዓ ዝውከል ማእከላይ መንግስቲ ባቕዳድ ኮይኖም ምህላዎም ክገልጹ ጸኒሖም። ኣብ 2011 ኣብ ሓያለ ሃገራት

ማእከላይ ምብራቕ ንዝተፈጥረ ጸጥታውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋእ ብምምዝማዝ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ከስፋሕፍሕ ዝጀመረ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ነቶም ኣቐዲሞም እሙናት ኣገልገልቲ ሳዳም ሑሰን ዝነበሩ’ሞ ድሕሪ ውድቀቱ ናብ ሶርያ ዝሃደሙ ገዳይም ወተሃደራትን ካልኦት ጥሩፋት ጉጅለታትን ምስኡ ጠርኒፉን ኣዕጢቑን ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ናብታ ከተማ ገስጊሱ። ተኸተልቲ ሱኒ ብዝኾኑ ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ድማ “መርሓባ” ተባሂሉ። ብኡ ንብኡ፡ “ሞሱል ዝርእሰ-ከተማኣ ብኣመንቲ ሱኒ ጥራይ ዝቖመት ሓዳስ እስላማዊት ሃገር ንምስርት ኣለና” ክብል ብመገዲ መራሒኡ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ኣዊጁ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ንሃይማኖታዊ ስነ-ሓሳቡ ዕንቅፋት ኮይኖም ዝተሰምዑዎ ኣሽሓት ነበርቲ ሞሱልን ከባቢኣን፡ ዘስካሕክሕ ናይ ቅትለት ግፍዒታት ክፍጽም ጀሚሩ። ብዘይካ ዓረብ (ሱኒ)፡ ካልኦት ዒራቓውያን ዓሌታት ህይወቶም ንምድሓን መረበቶም ጠንጢኖም ክሃድሙ ተገዲዶም። እቲ ወትሩ ደገፍ ሓያላን ሃገራት ዘይፍለዮ፡ ግን ከኣ ብግስሩጥ ምሕደራኡ ዝለመሰ ማእከላይ መንግስቲ ባቕዳድ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ክዋረድን ክዝለፍን ተራእዩ። ሞሱልን ከባቢኣን ኣብ ትሕቲ

ቁጽጽር ዕጡቕ ዳዕሽ ድሕሪ ምእታዋ፡ እቲ ብሃይማኖትን ዓሌትን ዝተጐጃጀለ ሰራዊት ዒራቕ ናይ ምውጋእ ወኑ ባይታ’ዩ ዘቢጡ። ክንዲ ዝኾነ፡ ነታ ከተማ ዳግማይ ክምለሳ እንተ ኾይኑ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሞራሉ ናብ ንቡር ክመልስ

ትንታነ ዜና

ተስፋኣለም የማነ

ነይሩዎ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ልዕሊ ክልተ ዓመት ወሲድሉ። ብኣመሪካ ዝተመጠወሉ ተመራሒ ሚሳይል ዘጠቓለለ ዘመናዊ ኣጽዋር ክሳብ ዓንቀሩ ዓጢቑ ከኣ፡ ዝሓለፈ 17 ጥቅምቲ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣበጊሱ። ኣብቲ ብነፈርቲ-ውግእ ሓይሊታት ልፍንቲ ዝተሰነየ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ዝግመቱ ሓይሊታት መንግስቲ ዒራቕ ነታ ከተማን ከባቢኣን ንምሕራር ብወገን ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብን ግንባር ከፊቶም ክግስግሱ ከለዉ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ብ‘ፐሽመርጋ’ ዝፍለጡ ሓይሊታት ኩርዲስታን ድማ፡ ምስቲ ማእከላይ መንግስቲ ብዝገበርዎ ምርድዳእ መሰረት፡ ብወገን ምብራቕን ሰሜናዊ ምብራቕን ሓያል መጥቃዕቲ ኣበገሱ። ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ’ውን፡ ከባቢ 100 ዝኾኑ ከም ኣማኸርቲ ኮይኖም ነቲ ስርሒት ብኣካል ተሳተፍዎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሓይደር

ኣል-ኣባዲ ደጋጊሙ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፡ ሓይሊታት ፐሽመርጋን ምስ ምዱብ ሰራዊት ዒራቕ ተሰሊፎም ዘለዉ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ሺዓን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ሞሱል ዝካየድ ዛዛሚ ኲናት ኣይክሳተፉን እዮም። ዘይሳተፍሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብታ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ሱኒ ዝኾኑ ነበርቲ ዘይተደልየ ናይ ሕነ ስጉምቲ ከይወስዱ ስለ ዝተሰግአ እዩ። ሓይሊታት ፐሽመርጋ፡ ስርዓት ሳዳም ሑሰን ቀመማዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ኣብ መጋቢት 1988 ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ናይ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ህልቂት፡ ኣብ ልዕሊ ሱኒ ሕነ ክፈድዩ ክቱር ድሌት ኣለዎም። ሚሊሻታት ሺዓ’ውን በቲ ዕጡቓት ሱኒ ኣንጻር ንጹሃን ወገናቶም (ብፍላይ ኣብ ባቕዳድ) ዝፍጽምዎ ዘለዉ ማዕበላዊ ሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ካልእ ምኽንያታትን ኣብ ልዕሊ ሱኒ ክቱር ቅርሕንቲ ስለዘሕደሩ፡ ናብ ከተማ ሞሱል ምስ ዝኣትዉ ኣብ ልዕሊ ነበርታ ጃምላዊ ቅትለት ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለጽ። ክንዲ ዝኾነ፡ ማእከላይ መንግስቲ ዒራቕ፡ እቶም ብኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝድገፉ ሓይሊታት ፐሽመርጋ ይኹኑ ሚሊሻታት ሺዓ፡ ተልእኾኦም ኣብ ብሎኮ ናይ’ታ ከተማ ክዛዝሙ’ዩ መምርሒ ሂቡዎም ዘሎ። በዚ ከኣ ሰራዊት መንግስቲ፡ ፈደራል ፖሊስን ቀቢላውያን ሚሊሽታት ሱኒን ነቲ ዝተረፈን ዝኸበደን ዛዛሚ ተልእኾ በይኖም ክቕጽልዎ እዮም። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ጐደና ኲናት ኣመና ከምዝኸብዶምን ንምዝዛሙ ነዊሕ ግዜ ክወስደሎም ከምዝኽእልን’ዮም ክኢላታት ስነ-ውትህድርና ዘመልክቱ። ብሓያለ ሃገራት ከም ግብረ-

ሽበራውያን ንዝፍለጡ ዕጡቓት ፒ.ከይ.ከይን ካልኦት ተቓወምቲን ንምጽጻይ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሰሜናዊ ዒራቕ 18 ወተሃደራዊ መዓስከር ደኲና እትርከብ ቱርኪ፡ ኣብቲ ንከተማ ሞሱል ንምሕራር ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ክትሳተፍ ድሌት ከምዘለዋ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ዒራቓውያን መራሕቲ ቀቢላታት ሱኒ’ውን፡ ነበርቲ ሞሱል ዝያዳ ውሕስነት ክስምዖም እንተኾይኑ፡ ኣንካራ ወተሃደራታ ኣብቲ ስርሒት ከተሳትፍ ከምዘለዋ’ዮም ንማእከላይ መንግስቲ ባቕዳድ ከተሓሳስቡ ጸኒሖም። እንተኾነ ባቕዳድ፡ ቱርኪ ወተሃደራታ ናብ ሞሱል ከይትልእኽ ብትሪ ምስ ኣጠንቀቐት፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዲቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ቆይቊ ኣምሪሐን። ዒራቕ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ቱርኪ ዞባዊ ኲናት ከባርዕ ከምዝኽእል ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኣ። ወተሃደራት’ታ ሃገር ካብ ልኡላዊ ግዝኣታ ክወጽኡ ድማ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪባ። እንተኾነ ቱርኪ፡ ነቲ ጻውዒት ነጺጋቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ መብዛሕትኦም ወከልቲ ሱኒ ንዝኾኑ ምሊሻታት ዕጥቅን ስልጠናን እናሃበት ኣብቲ ኲናት ከምዝስለፉ ብምግባር፡ ነቲ ስርሒት ብውክልና ተጸንቢራቶ። ቀንዲ ደጋፊት ማእከላይ መንግስቲ

ዒራቕ ዝኾነት ኢራን ብወገና፡ ከተማ ሞሱል ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ቱርኪ ከይትወድቕ ብምስጋእ፡ ‘ኣል-ሃሽድ ኣል-

ሸዓቢ’ ንዝተባህሉ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ምሊሻታት ሺዓ ኣዕጢቓ ኣብቲ ኲናት ኣሰሊፋቶም ከምዘላ ይንገር። ብዘይካ’ዚ፡ ሓያለ ወተሃደራት ከም ተዓዘብቲ ምስ ሓይሊታት መንግስቲ ዒራቕ ኣሰሊፋ ከምዘላ ይሕበር። ዒራቓውያን ሚሊሻታት ሺዓ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ምስ ሓይሊታት መንግስቲ ናብ ውሽጢ ከተማ ሞሱል ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ክገልጹ ከለዉ፡ ቱርኪ ድማ፡ እንተ ኣትዮም ኣንጻሮም ዝቐንዐ ቅጽበታዊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ተጠንቅቕ። በዚ ምኽንያት፡ ኣዘዝቲ ናይ’ቶም ምሊሻታት፡ “ድሕሪ ምሕራር ሞሱል ጥራይ ምስ ቱርኪ የራኽበና!” ዝብል ንኲናት ዝትዂቱዂ ቃላት ከስምዑ ቀንዮም። ቱርኪን ኢራንን፡ ብመገዲ ወከልተን ኣቢለን ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከተማ ሞሱል ዘካይዳኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምትህልላኽ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዝጠመተ ናይ ገዛእ-ርእሰን ጂኦ-ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ወተሃደራዊን ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ’ዮም ነቲ ዞባ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ዘመልክቱ። ብፍላይ ኢራን፡ ሓደ ካብ ዕላማታት ናይ’ቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ጣልቃ፡ ክሳብ ከበሳታት ጎላን (ሶርያ) ንዝዝርጋሕ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ጽልዋኣ

ብምእታው፡ ነታ ከም ታሪኻዊት ጸላኢታ እትጥምታ እስራኤል ኣብ ኣፍንጫኣ ኮይና ንኽትቆጻጸራ እዩ።ዳዕሽ፡ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ካብ

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ኤስያ፡ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሩስያን ዝመጹ እዮም። ኣብዚ እዋን ከኣ ዳርጋ ዝበዝሑ ካብ መሳርዑ ተኣልዮም እዮም። ገሊኦም ተቐቲሎም፡ ዝተረፉ ከኣ ሃዲሞም። ኣብታ ከተማ፡ መራሒኦም ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ዝርከቦም ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 5 ሽሕ ጥራይ ዝግመቱ ኣባላት ተሪፎም ከምዘለዉ’ዮም ኣዘዝቲ ሓይሊታት ዒራቕ ዝገልጹ። እንተኾነ፡ ኣብታ ከተማ ጽኑዕ ትሕተ-ባይታዊ ዕርዲታት ሃኒጾም፡ እልቢ ዘይብሉ ነተጉቲ

ኣጻዊዶም፡ ክርቢት ምስ ተሸርጠጦ ናብ ሲኦል ክልወጥ ዝኽእል ነዳዲ ዝመልአ መከላኸሊ ጐዳጉዲ ኣዳልዮም ይጽበዩ ብምህላዎም፡ እቲ ኣብ ውሽጢ’ታ ከተማ ዝካየድ ኲናት ኣዝዩ ጽንኩር ከምዝኸውን እቶም ኣዘዝቲ ብኣጋኡ ክግንዘቡዎ ክኢሎም ኣለዉ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ኣብታ ከተማ ጅሆ ሒዘሞም ዘለዉ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዝግመቱ ነበርቲ ከም መዝሓሊ ጥይት ከይጥቀሙሎም ሰፊኑ ዘሎ ከቢድ ስግኣት’ዩ። ድሮ ናብ ሞሱል ክኣትዉ ጀሚሮም

ከምዘለዉ ዝገልጹ ሓይሊታት ዒራቕ፡ ንድሕነት ናይ’ቶም ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ብምባል፡ ዕጡቓት ዳዕሽ ናብ ሶርያ ክሃድሙ ንምትብባዕ ብምዕራባዊ ወገን ሞሱል ናጻ መስሎኺ መስመር ከፊቶምሎም ከምዘለዉ’ዩ ዝሕበር ዘሎ። “ሰላማውያን ሰባት ከይለከምካ ንዒላማታት ዳዕሽ ምጥቃዕ ኣዝዩ ኣጸጊሙና ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ካብ ሓንጐል ጥረ-መንሽሮ ንምእላይ ዝፍተን በዳሂ ሕክምናዊ መጥባሕቲ’ዩ ኮይኑና ዘሎ።” ይብል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊታት ዒራቕ ዝኾነ ብሪጌደር ጀነራል ሓይደር ኣል-ደራጂ። ንሱ ኣስዒቡ፡ ጐደናታት ሞሱል

ኣዝዩ ሓጺርን ዘየተዓጻጽፍን ስለዝኾነ፡ ታንክታት ይኹና ድሩዓት ተሽከርከርቲ ሒዝካ ክትዋጋእ ኣጸጋሚ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ምርጫ ኢድ ብኢድ ጥራይ ከምዝኸውን ኣረዲኡ። ኣቐዲሞም ንሓድሕዶም ዝተሃናኾቱ

ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ዒራቕ፡ ኣብዚ እዋን ኣንጻር’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኢሎም ዝኣመንሉ ዳዕሽ ሓቢሮም ይቃለሱ ኣለዉ። ሕብረቶምን ስኒቶምን ንሓያለ ወገናት መሲጡን ኣገሪሙን ኣሎ። የግዳስ፡ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሞሱል፡ ሕብረቶም ይቕጽል’ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ገና መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሞሱል ዝሳተፉ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይሊታት፡ ነናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም እዮም። ዳርጋ ኩሎም ድማ ካብ ቁጽጽርን ምልክን ማእከላይ መንግስቲ ባቕዳድ ናጻ ኮይኑ ብገዛእ-ርእሱ ዝመሓደር ከባቢታት ክህልዎም ይደልዩ። ብፍላይ እቶም ንዳዕሽ ኣብ ምምካት ልዑል ጽንዓትን ተወፋይነትን ከንጸባርቑ ዝጸንሑ ሓይሊታት ፐሽመርጋ፡ ንዞባ ኩርዲስታን ካብ ዒራቕ ናይ ምንጻል ሕልሞም ገና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። እታ ብዕቑር ጸጋታት ነዳዲን ባህርያዊ ጋዝን ካብ ዞባታት ዒራቕ ዝሃብተመት ምዃና ዝነገረላ ዞባ፡ ካብ ዒራቕ ተነጺላ ናጽነታ ምስ እትእውጅ፡ ንጸጋታታ እናመዝመዘት ዝሓሸ ቁጠባውን ፖለቲካውን ርግኣት ክትፈጥር ከምእትኽእል’ዮም መራሕታ ዝገልጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ከተማ ሞሱል ካብ ዳዕሽ ናጻ

ምስ ወጽአት፡ ብመን’ያ ክትመሓደር? ዝብል’ውን ካብቶም መልሲ ዘይረኸቡ ዘለዉ ሕቶታት’ዩ። ዝበዝሑ ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ሰዓብቲ እምነት ሱኒ ብምዃኖም፡ ብማእከላይ መንግስቲ ባቕዳድ ክመሓደሩ ፍጹም ድሌት የብሎምን። ብናይ ባዕሎም ስርዓተ-ምሕደራ ክመሓደሩ እንተተፈቒዱሎም ድማ፡ ምስቶም ካልኦት ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ናብ ዘይምጽውዋርን ረጽሚን ከምርሑ ከምዝኽእሉ ገለ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሞሱል ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ወተሃደራዊ ጣልቃ ቱርኪን ኢራንን ንገስጋስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሞሱል ከይኮልፎ ወይ’ውን ከየደናጉዮ’ሞ፡ ዒራቕ መፍትሒ ናብ ዘይርከቦ ዝኸፍአ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሕልኽላኽ ከይትሽመም ኣብ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ስግኣት ኣሎ። ገሊኦም ተንተንቲ’ውን፡ ምዝዛም ወተሃደራዊ ወፍሪ ሞሱል፡ ነታ ፈጋዕጋዕ ኢላ ዘላ ዒራቕ ወይ ክሕክማ ወይ ድማ ክበታትና ተኽእሎ ከምዘለዎ የረድኡ።

ዒራቕ - ሞሱል ምስ ተሓረረትከ. . .?

Page 6: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 6መበል 26 ዓመት ቁ.57

ወጽዓዓወት ተስፋማርያም

5ይ ክፋል

ኢፋኒ፡ ስምዒታታ መዕረፊ ክትገብረሉ ከም ዝሓሰበት ንጸሃይ ነጊራታ’ያ። ሓሳባ ከይተጠቕመትሉ፡ ከይተጓዕዘት፡ ከይደኸመት ኣዕረፈት። ፍቕሪ እንታይ ድኻም ኣለዎ። ኵሉ ተረሲዑስ፡ ክሳብ ሎም’ኳ ንጸሃይ እንታይ መዲባ ከም ዝነበረት ኣየዕለለታን። ኢፋኒ፡ ምስጢር ከም ዘይትፈልጥ ኰይና’ያ ዓብያ። እዚ’ውን ምስጢር ሓሲባ ኣይኮነትን ዘየዕለለትሉ፡ በቃ! ተረስዐ ደኣ። ኢፋኒ፡ ጾራ ዘካብድ ምስጢር-በይና የብላን። ሰባት፡ ምስጢር ዝዓቍር ኣካላት ኣሎና እንተደኣ ኰይኑ፡ ኢፋኒ ኣካለ ስንክልቲ’ያ። ኣነ’ኳ ንባዕለይ፡ ንኢፋኒ ከሰንያ፡ ናይታ ኣካላት ስኡን ክኸውን ድላይ ኣሎኒ።ስድራ ኢፋኒ ምስጢረኛታት

ኣይኰኑን። ምስጢር ስለ ዘይብሎም፡ ምስጢራቶም ምስጢራተይ ኰይኖም ኣይፈልጡን። ሓሳባቶም ግን ብርግጽ ድሮ ሓሳባተይ ክኾኑ ጀሚሮም’ዮም። ኢፋኒ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣስመራ እያ በቝላ፡ ተተይ ኢላ፡ ንሳ ምስ ኰነት ድማ ናተይ ፍቕሪ ኰይና። ኣብታ ብጭቃ ተደግዲጋ ዝተሰርሐት ቤቶም ቋሕ ኢላ እትርእዮ ነገር እንተሃልዩ እታ ጽምምቲ ኣደኣን፡ ዓይነ ስዉር ኣቦኣን ጥራይ’ዮም ዝነበሩ - በቦኣ ዝብጽሓ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓው ግን ኣለዋ። ንሱ ኣበይ ኣሎ፡ ኵሎም ኣይፈልጡን። ኣደኡ፡ ኣብ ዕድመ ኩትትናኡ ንስደት ምስ ኣበለት፡ ንሱ’ውን ካብቶም ዝኣልዩዎ ዝነበሩ እንዳ ኣባሓጎኡ ኰብለለ። ኢፋኒ ገና ብንኡሳ፡ ነቲ ብሓደጋ ነትጒ ኣዒንቱ ዝሰኣነ ኣቦኣ መሪሓ ናብ ድልየቱ ከተሳልዮን፡ ጽውጽዋያቱ ክትሰምዕን ዘደስታ ንጥፈት’ዩ ዝነበረ። ካብታ ጸባብን ኣብ ደረት’ቲ ገዛውቲ ፍንትት ኢላ ዝተደግደገት ቤቶም ወጺኣ ፍሉይ ቦታታት ክትርእን ክትዛውንን እትብህጎ’ዩ።ኣቦኣ ድማ ከም ሓፍቱን መሓዝኡን

ሓሲቡ ክትፈልጦ ኣለዋ ዝበሎ ኩሉ ከዕልላ ድሕር ዘይብል ውፉይ ኣቦ’ዩ። ኢፋኒ እንተዀነት’ውን ብንእሽቶኣ ኣትሒዛ ዝተሰምዓ ንምግላጽ ዘይትስከፍን ንዘረባኣ ግሉጽነት ዝዓብለሎን’ዩ ዝነበረ። እዚ መዕበዪኣ’ዩ። ንዓይ ድማ ኩሉ ብንኡሳ ዘሕለፈቶ ዘስሕቑን ዘስደምሙን ነገራት ተዕልለኒ። ኣነ ድማ ደስ ኢሉኒ ንቓላታ ከም ማይ ብህርፍርፎት ይውሕጦም። ቃላት ኢፋኒ ክጸምኡኒ እንከለዉ፡ ጽምኣተይ ጽምኣታ ይኸውን’ሞ ከተርውየኒ ትሕልን። ከምዚ እናበለት ሓደ እዋን ነቡኣ ዝበለቶ ከተዕልለኒ እንከላ ፍጹም ኣይኰላልፋን።“ባባ፡ ኣታ ባባ፡ ኣታ ባባ፡ ሓንሳብ’ንዶ

ስምዓኒ? እ. . . ህ. .ህ. . . ባባ እ. . . እ. . .” ካብ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምእታወይ እናላህላህኩ ሓቲተ ቐልጢፉ ክምልሰለይ ይደሊ። ክዛረብ

እንከለኹ ኣእዳወይ ናይ ቋንቋ ምልክት እናገበራ’የን ዝወናጨፋ። እዚ ንዓይ ስራሕ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ብፍጹም!! ንኽልቲኦም ወለደይ ንምዝራብ ልሳን-ኣእዳወይ ክጥቀም ከም ዘሎኒ ገና ብንእሽቶይ ኣደይ ዘለማመደትኒ’ዩ። ሽዑ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ናይ ጽሙማን ቤት ትምህርቲ’የ ዝመሃር ዝነበርኩ።“ሕራይ ኢፋኒ ጓለይ፡ እንታይ ኢኺ

ደሊኺ? እስከ ንገርኒ? ቀስ ድማ በሊ፡ ናበይዶ ከይደ’የ? ኣይ ምሳኺ ይውዕል ይሓድር’ንዶ የለኹን።” ባባ ምስ ማማ ከዕልል ድሕሪ ምጽናሕ ኣቓልቦኡ ናባይ ኣበለ። ባባ ብወገኑ ቋንቋ ምልክት፡ ቋንቋ ቤቱ፡ ቋንቋ ፍቕሩ፡ መሰረት መንብሮኡ ብምዃኑ ኣጸቢቑ’ዩ ዝመልኮ።“ባባ. . .ባባ። እ. . . ዓይንኻ ምርኣይ

ምስ ጀመረ እንታይ . . .እንታይ ምበልካ ኔርካ። ንዓይ እንተትርእየኒ እንታይ ምበልካ?” ጌና ስለ ዘየዕረፍኩ ትንፋሰይ ኩልፍ ኩልፍ እናበለ’የ ዝዛረብ ዝነበርኩ። ምውዝዋዝ ኣእዳው ክፋል ነፍሲ-ወከፍ ዕላላተይ’ዩ።ባባ፡ ኣመና ግልጹነት ዘለኒ ምዃነይ

ይጸልኦ ዝነበረ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ወትሩ ድላየይ ክዛረብ እንከለኹ፡ ከምኡ ኣይበሃልን’ዩ ተጋጊኺ ኢሉ ዝገንሓኒ ግዜ ትዝ ኣይብለንን። ሽዑ ግና ኣዝዩ ግዲ ገሪምዎ ወይ’ውን ተሰሚዕዎ፡ ሕርቕ ኢሉ ተቘጠዓኒ። ሕጂ ከም ዝመስለኒ እንታይ ኢሉ ከም ዝምልሰለይ ሕርብት ዝበሎ ይመስለኒ። ዓይነ ስዉር ኮይኑ ዝጎድሎ ነገር ከም ዘለዎ ፍጹም ዘኪሩ ኣይፈልጥን ስለ ዝነበረ፡ ብሰንከይ ዝተጨነቐ መስለኒ። ‘እንተትርእየንስ እንታይ ምበልካ?’ እናበለ ንበይኑ ደጋገመ።ሽዑ ዝበለኒ፡ ኣደይ ኣብታ ንስእልታት

ቍልዕነተይን ዝተፈላለዩ ፍጻመታትን እትዕቅበላ ንእሽቶ ጥራዝ ኣስፊራቶ ነይራ። ማማ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ሽዑ ዝጸሓፈቶ ኣንቢባ ኣይትመንዎን’ያ እናበለት ነታ ጥራዝ ደልያ ረኸበታ’ሞ ኣንበበትለይ።ኢፋኒ ጓለይ ህይወት’ኮ ንዓይ

ብፍጹም! ንዓመታት ብርሃን ክትርኢ ኢኻ ኣይበለትንን። ህይወት ንነፍሲ ወከፍና ትሕዞ የብላን። ስለዚ ኢና ድማ ህይወትና ናብ ድላይና መኣዝን ንክንመርሓ ገና ዕኹኽ ክንብል እንከለና እቲ መገዲ እንጅምሮ። እንደልዮ ዓይነት ሰብ ክንከውን ‘ምጅማር’ ጥራይ’ዩ ዘድልየና። እንሀኺ’ኳ ንስኺ ጉዕዞኺ እምነ መሰረት ብምንባር ‘ሀ ኢልኪ’ ዝጀመርኪ። ሰሚዕኪ ኢፋኒ ጓለይ፡ ንዓይ እንታይ ኣጋጢሙኒ ብፍጹም ኣየገድሰንን’ዩ። ንዓኺን ነደኽን’ውን ከምኡ። ንዓይ ዘገድሰኒ እንታይ’ዩ? ንዓይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሰብ ኣብ ዘመኑ እንታይ ወሊዱ’ዩ ዘገድሶ። ክልቲአን ኣዒንተይ ሓመድ ዓድና ሰትይወን’ዩ። ኣብዛ ሕጂ እዋን ክርኢ እንተዝኽእል! ኣንቲ ኢፋኒ ጓለይ ክሳብ ክንድዚ ጽብቕቲ ምዃንኪ ደኣ ከመይ ኢሉ ክስቈረኒ

ክብለኪ ምደለኹ ‘መስለኒ። እንተኾነ ኣብ ርእሰይ ከምኡ ዝብል ሓሳብ የለን። ንጽባቐኺ ብኣዒንተይ ጥራይ ድየ ዝርኢ መሲሉኪ። ኣእዛነይ’ውን ንጽባቐኺ ኣጉሊሐን’የን ዘርእያኒ። ብንእሽቶኺ ዘጥረኽዮ ልቦና ናይ ሓዋሩ ጽባቐኺ ምዃኑ ኣዳዕዲዐ እፈልጥ’የ። ስለዚ ኢፋኒ ጓለይ እንተ ዝርኢ ነይረ ‘ከምዚ ምበለኩ’ ኣይብለክን። ምኽንያቱ ዘይርኢ እንከለኹ’ውን ነቲ ክርእዮ ዝሓስብ ኣቐዲመ ርእየዮ’የ።’ኢፋኒ ነታ ጥራዝ ዓጺፋ፡ ኣብ ሰረገላ

ሓሳባት ከም ዝተሳፈረት ንደቓይቕ ትም በለት። ጸኒሓ ድማ ብስምዒት ከተዕልለኒ ትጅምር። “ሽዑ ባባ በቲ ንስለ ፍቕሩ ኢሉ ብብዙሕ ገድሊ ከም ዘጽንዖ ዝነገረኒ ናይ ቋንቋ ምልክት እናሓወሰ ምስ ተዛረበ፡ ማማ ነቲ ጸረር ዝበለ ንብዓታ ብመጐልበቢኣ ሓበሰት። ማማ ትበኪ ኰይኑ ኣይስመዓንን ዝነበረ። እቲ ገና ብንኡሳ ብሰሪ ተፈጥሮ ጽምምቲ ምዃና ብዝዀነ ዘይዓጅባ ነቓጽ ገይርዋ ይኸውን’ዩ። ማማ ኣብ ገዛ ኣደይ፡ ኣብቲ ኣነ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን’ውን መምህረይ’ያ። ኣብ ምሉእ ቤት

ትምህርቲ ብ ተ ሪ ር ባ ህ ሪኣ ’ ዮም ዘለልዩዋ። ግና ሽዑ በኸየት ደኣ።ኢፋኒ፡ ኣብ መንጎ ዕላላ

ክትነብዕ ምስ ጀመረት ኣዒንተይ ዝተርከሰ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ክእብዳ ደለኹ፡ ግና ንብዓታ ፍቕሪ ስድራቤታ ዝገልጽ ዘሎ ደኣ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ክቡር ቦታ ከም ዘለዎ እተዕልለኒ ፍቕራ ሓጻጺቡ ጸራሪጉ ከም ዘየውጽኦ ስለ ዝፈልጥ ክትነብዕ ሓደግክዋ። ጽንሕ ኢለ ግን ብኽልተ ኣጻብዕ ዓባይ ዓባይቶይ ገይረ፡ ሓበስክወን። ንብዓታ ኣብ ኢደይ ምስ ዓረፈ ታሪኻ ንውሽጢ ቘርበተይ ሰናጢቑ ንጠጥዒ ታሪኽ መጻእየይ መኣዛኡ ዝመጠወ መሰለኒ። ቀጠልያ ታሪኻ ምስ ጠጥዒ ታሪኸይ ክዳቐል ድልየተይ’ዩ።ንብዓታ ገና ከየቋረጸ፡ ሓሳባ ንምዕራፍ

ዝኣክል ከዕልላ ይደሊ። ቃላተይ ከም ፈሽፈሽታ ንፋስ ካብ መኻፍትቲ ኣፈይ ብዝወጽኡ፡ ንምሉእ ነብሳ ከም ዓለል-ፈለል ተሰኪሙ ኣብ ሰማየ-ሰማያት ብደስታ ከንሳፍፋ ይደሊ። ከምቲ ቃላታ ምሳይ ዘለዉ፡ ቃላተይ ኣብ ደማ ከውደኽድኹ ሓለንኩ፣ ዋላ’ውን በቲ ውሑድ መኣዝኡ ናይ ስምዒት ዋህዮታታ ክምገቡ ደለኽዎም። ሓሳባ ንምዕራፍ፡ ብሓሳባተይ ክሰርቃ ደለኹ። ንስለ ካብ ሓሳባ ከመንጉዋ ድማ ከምዚ በልክዋ።

ጋዜጠኛ ኰይነ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ብዛዕባ ዕዙዝነት ሓበሬታ’ዩ። ንናይ ሓበሬታ ኲናት ክትቆጻጸሮ ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ’የ። እንተደልዩ የዕንወካ፡ ወይ ድማ ኣቑሲሉ ይገድፈካ። ሕጂ ዝርደኣኒ እንሃልዩ ግና ናይ ፍቕሪ ኲናት ክትቆጻጸሮ ዝያዳ ዝኸበደ ምዃኑ’ዩ። ከምቲ ኣዕዋፍ ዝገብረኦ ምቝጽጻይ የድልየካ። ኣብ ናይ ስምዒት ኲናት ትኣቱ፡ ካብቶም ፍቑራት ሓዲኦም እንተዀነ’ውን ካብቲ ኲናት ከምልጥ ኣይክእልን። ብድሕሪ’ቲ ኲናት እትጭብጦ’ዩ ዘደንቕ። ህይወትካ ካብቲ ስኑ ጓህሚሙዎ ዝነበረ ተመሊሱ፡ ብግቡእ ምኹምሳዕ ትጅምር። ፍቕርናስ እንታይ ከዕንዎ ዝኽእል ነገር ኣሎ?ንሳ ድማ እናሰሓቐት፡ “ወሪዱካ፡

ንስኻ ደኣ’ሞ ኣይተቘጻጸኻ ኣይሳዕሳዕካ? ፍቱወይ፡ ንስኻ ንክትግርም ዋላሓንቲ ክትገብሮ ዘድልየካ የለን። ንዓይ ንኽትበቅዕ እዞም ነገራት ከተማልእ ኣሎካ ዝብሎስ ኣሎኒ ድዩ? ፍጹም የለን!” ትብለኒ።

ሽዑስ ደስታይ፡ ደርቢ ኣብ ልዕሊ ደርቢ እናተጸፍጸፉ ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ሰማይ ጠቀስ ናይ ሓበን ህንጻ የቕውም። ግን’ኮ ኢፋኒ ልክዕ ኣላ። ንደገይ ርእያ ከተፍቅረኒ ዘሎ ተኽእሎ

ክግምቶ

ኣይደልን፣ እሞ ድማ በዚ

ዘመን። ኣነ’ኮ ብጽሬት ኣከዳድናይ’ምበር ብዓይነት

ኣከዳድናይ ዘይግደስ ወጀሃላይ’የ። ኢፋኒ ግን ንገበረይ ቀሊዓ ንውሽጠይ ብፍትወት ዘንበበቶ እምንቲ ኣፍቃሪተይ’ያ። ኢፋኒ፡ ንሕማቐይ ብሓይልታታ ከተስተኻኽሎም፡ ንጽቡቓተይ ድማ ሕልፍ ዝበለ ኣቓልቦ እትህብ ሰብ’ያ። ናይ ወትሩ ናብራይ ምስ ኢፋኒ ብኸምዚ ዝበለ ፍስሃ’የ ዘሕልፎ።ኢፋኒ ኣብ ትካል ናይ ኣቶ ኣስመሮም

ኰይና ነዊሕ ዓመታት ሰሪሓ እያ። ኢፋኒ፡ ነቲ ናይ ሕትመት ትካል ንብልጽግናኡ’ያ እትሰርሕ። ንኣበርክቶኣ ድማ ኣፍልጦ ሂቦም ብተደጋጋሚ ናይ ክፍሊት ዕብየት ገይሮምላ’ዮም። ኣቶ ኣስመሮም ንኢፋኒ ብጽቡቕ ይቐርብዋ’ኳ እንተነበሩ ኣነ ናብ ህይወታን ስርሓን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ግን ዝያዳ ክቐርብዋ ደለዩ። እዚ ዶቡ ምስ ሰገረ ድማ’ያ ኢፋኒ ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎን ኵሉ ዘዕለለትኒ።ኣቶ ኣስመሮም ንምንታይ ቅድሚ

ኢፋኒ ኣካለይ ምዃና ከምኡ ዘይገብሩ። ናብ ኢፋኒ፡ ምምጥጣር ኣካለይ ብጐዲም ካራ እናድመኻን እናተቐንዘኻን በጢሕካ ምውሳድዶ ኣይኰነን? ወረ እንታይ ክገብሩ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ሓዳር ጸኒሖም? ነዛ ናተይ ኢፋኒ ክቃጸጹ?

ኢፋኒ ናተይ ኣካል’ያ፡ ከመይ ኣቢለ ብዘይ ድላየይ ናይ ኣካል ዝውውር ንምግባር ኣካለይ ክልግሰሎም። ንዓኻ ኩሊት ክልግሰልካ’ውን’ኮ ነታ ኵሊተይ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ቦታ ክህልወካ ኣለዎ። ንሳ’ታ ኩሊት’ውን ፍቓደኛ ክትከውን ኣለዋ። እምበር ነፍስኻ ንኣካለይ እንተነጸጋስ ክትመውትዶ ኣይኰነትን። ኢፋኒ፡ ኣካለይ’ያ፣ ብናይ ካልእ ነፍሲ ተነጺጋ ንኸይትመውት’የ ኣብ ነብሰይ ዘዕቁባ።ኣቶ ኣስመሮም ንምንታይ ከምኡ

ይገብሩ ኣለዉ? ንሶም ንኢፋኒ ኣቦኣ ዝኣኽሉ ኳዕናን ሰብኣይ’ዮም፡ ምናልባት ንወደይ ክትከውን እንተዝብሉ’ኮ፣ ምስ ወዶም ኣብ ውድድር ክጽመድ ድልውነተይ ምሓበርኩ። ግና ወድስ የብሎምን። ምስ ኣቶ ኣስመሮም ግን ብኸመይ ክወዳደር’የ? ብርግጽ! ኢፋኒ ናተይ ስለ ዝኾነት ውድድር ኣየድልየንን’ዩ። ግናስ ብኸመይ’ከ ክወዳደሮም እኽእል? ብገንዘቦም ድላዮም

ክገብሩ ዝኽእሉ ኩሉ ሰብ ኡፍ ኡፍ ዝብሎም’ዮም። ነቶም ዓገብ ክብሉ ቅሩባት ዝዀኑ ዓ በ ይ ቲ ’ ው ን ምስቲ ናይ ገንዘብ

ሓጹሮም ተላቲሞም ጥራይ’ዮም ዝተርፉ። በቃ! ደጐል ደጐል

ብዘይ ፍረ ከም ዝዛውኑ ይዀኑ። እቲ ካልእ ዝተረፈ ድማ እና’ንጨብጨበ ኡፍ ኡፍ ይብሎም። ንዓይ ግን ኣደይን ኢፋኒን ጥራይ’የን ኡፍ ኡፍ ክብላኒ ዝኽእላ።ኣብ መወዳእታስ ኰነ

ድማ፡ ምስ ኢፋኒ ክነብሩ ከም ዝደልዩ ነገርዋ። ነዚ ድማ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሮም ሓሲቦሙሉ ምንባሮም ሓበርዋ። ኢፋኒ፡ ኣቶ ኣስመሮም፡ ነታ ድሕሪ ውሑድ ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽንሖም ዝፈትሕዋ ኣዝያ ሃብታም ዝነበረት በዓልቲ ቤቶም ኣልዒሎማ ከም ዘይፈልጡ’ያ እትነግረኒ። ብዘይ ብኡ ኣብ ውላድ ስለ ዘይበጽሑ ስድራቤት ከም ዝነበሮም ዝሕብር ዘበለ ኩሉ ነገር ኰነ ኢሎም ከህስስዎ ከም ዝደልዩ ኢፋኒ ኣስተውዒላትሎም’ያ። ኩሉ እቲ ሕጂ ንሶም ዘለዉዎ፡ ቅድም በዓልቲ ቤቶም ዝነበረቶ ምዃኑ ነቲ ናይ ሽዑ ኣቶ ኣስመሮም ክዝክሩ ዝደልዩ ኣይመስለንን።ኣነ ድማ ኢፋኒ ናተይስ፡ ከመይ

ኣቢላ’ያ ንእዋን እርጋኑ ብእዋን ንእስነታ ከተሰንዮ ብማለት ተበሳጨኹ። ኣቶ ኣስመሮም ንዕንወት ግምቢ ፍቕርና ዝተላዕሉ መሰለኒ። መጀመርያ፡ ነታ ቶናት ፍቕርና ተሰኪማ ብሓያል ፍጥነት ናብ መጻኢና እትግስግስ ባቡር ፍጥነታ ክዕንቅጹ ፈተኑ። ኣብ ንጥፈታት ዕለታዊ ህይወትና ንእሽቶ ግን ድማ ወሳኒ ነገር ክልውጡ ከም ዝጀመሩ ክስወጠኒ ግዜ ኣይወሰደን። ኣቶ ኣስመሮም ንሓዲድና ክነቕሉ ጸዓቱ። ሓዲድና ክንቀል’ሞ፡ ቶናት ዝምዘን ፍቕርና ዝጾረ ባጐኒታት ባቡርና ኣንሸራቲቱ ክዕሎ ጸዓቱ።

ይቕጽል. . .

Page 7: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 7መበል 26 ዓመት ቁ.57

ዓብደልቃድር ኣሕመድ

ምስ ኣመሓዳሪ ዓደቀ-ተኹላ ኣቶ ላይነ ገብረክርስቶስ ተቛጸርና’ሞ ብዛዕባ’ቶም ጻዕራማትን ሓርኮትኮት በሃልትን ኣባላት ሓንቲ ስድራ ኣዕለልና። ዕላሉ ኣመና ስለዝመሰጠኒ ነቶም ኣባላት’ታ ስድራ ብኣካል ረኺበ ከዘራርቦም ተሃንጠኹ። ምስ ኣቶ ላይነ ዳግማይ ክንራኸብ ተቛጺርና ድማ ተፈላሊና።ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣቶ

ላይነ ንቤት-ጽሕፈተይ መጺኡኒ - ተተሓሒዝና ከኣ ናብ ዓደቀ-ተኹላ ኣምሪሕና። ህንጡይነተይ ምስ ምቕራብ እታ ዓዲ ሰማይ ዓሪጉ፡ ካብ ማኪና ወሪድና ናብ ኣፍ-ደገ ልዳት እታ ገዛ ክሳብ እንበጽሕ ሕቶታት ኣይቋረጽኩን። ኣቶ ላይነ ብወገኑ ዝያዳ ቃላቱ ብዓይነይ ክርኢ ክምዝሕሸኒ ምልባዉ ኣየቋረጸን።ኣብ ዓደቀ-ተኹላ ኣብ ትሕቲ ጎቦ

ናብ ዘላ ምጭውቲ ቤቶም በጺሕና። ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ኣርባዕተ ደቆም ኣብ ገዛ ክጽበዩና ስለዝጸንሑ፡ ‘ሰላም’ ኢልና ናብ ውሽጢ ቤት ኣተና። ኩሎም ደቆም ኣዝዮም ሓጸርትን ብርኮም ንሓድሕዱ እናተላገበ ከም ልቦም ኣብ ምኻድን ምስጓምን ጸገም ዘለዎምን ኮይኖም ረኺበዮም። መሪጌታ ተስፋይ ተሸመ፡ ኣብ

ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዓደቀ-ተኹላ ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዶም ዝዓበዩን፡ በቲ ከባቢ ፍቱውን ምቕሉልን ምዃኖም ዝንገረሎምን ሰብኣይ ኢዮም። ንሶም ሓደ ካብቶም ዓለም ብተደጋጋሚ ዝፈተነቶምን ነቲ ዝገጠሞም ከቢድ ናይ ሂወት ፈተነ ንምብዳህ፡ ምስ ደቆም ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝርከቡን ኣቦ ምዃኖም ኣቶ ላይነ ኣዕሊሉኒ ነይሩ እዩ። ነቲ ዕላል ምርኩስ ዝገበረ ሕቶታት ናብ መሪጌታ ከውሕዝ ጀመርኩ። በቲ ዘጋጠሞም ዘይተሓሰበ ስንክልና

እዮም ዕላል ጀሚሮሙለይ። “ከምዚ ንዓይ ዘጋጠመኒ ስንክልና፡ ኣብ ሸውዓተ ዘርአይ ከምዘይብለይ፡ ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ ኩሎም ደቂ ዓደይ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ክውለድ ከለኹ ኣብ ቤተሰብና ይኹን ኣብ ኩሉ ዓጽመ-ስጋና ዘይተራእየ ናጤባ’ዩ ኣጋጢሙ። ስድራይ ኣብቲ ጊዜ ዝነበረ ናይ ቤተ-ክህነት ትምህርቲ ክመሃር ስለዝሓገዙኒን ከምዘተባብዑኒን ኣነ’ውን ነቲ ስንክልናይ በዲሀ ክነብርን ናተይ ዝብሎ ቤተሰብ መስሪተ ነብሰይ ክኽእልን ዘሎኒ ኣማራጺ - ትምህርቲ ምዃኑ ስለዝኣመንኩ ትምህርተይ ተኸታቲለ። ናብ ኢትዮጽያ - ጎንደር ከይደ ናይ ቤተ-ክህነት ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታል ናብ ሃገረይ ተመሊሰ። ከም ትምኒተይ ኮይኑ

እታ ጻዕራም ስድራ!

ድማ በቲ ዝተመሃርክዎ ናይ ቤተ-ክህነት ትምህርቲ እናገልገልኩ ምስ እዛ ሕጂ ኣደ ደቀይ ዝኾነት ወይዘሮ ጸጋ ሳምራይ ብሕጊ ተመርዒና ሓዳር ጀሚርና ። ጓል’ውን ተበኮርና ። ኣዛሚት ሰሚናያ። ምሉእ ሓጎስ ኮይኑልና እናበልና ጓል ክልተ ዓመት ኣቢላ ምስ ኮነት ክልቲኡ ኣብራኻ እናተላገበ ኣብ ምስጓም ጸገም ክፈጥረላ ተዓዘብና። ምስ ምውሳኽ ዕድመ ከኣ ቁመታ ኣይ ወሰኸን..ማለት.. ኣዝያ ሓጻር ኮይና።…።” በሉ’ሞ ንገለ ካልኢት ዝን ድሕሪ ምባል ናብ ዕላሎም ተመልሱ - መሪጌታ።“ንዘጋጠመና ጸገም ከም ቅቡል

ወሲድና ጓልና ነብሳ እትኽእለሉ መንገዲ ከነናዲ ጀሚርና። ገና ብኣጋኡ ቆልዓ ከላ ከኣ፡ ምስ መሳቱኣ ተሓዊሳ ከምእትጻወትን ምስ ከባቢኣ ከምእትላለን ክንገብር ጀሚርና ።…. ሕጂ ጓል 24 ዓመት ኮይና’ላ።” ልዕሊ’ዚ ክቕጸሉ ኣይከኣሉን። ነዚ ዝተረደአት በዓልቲ-ቤቶም ነገር

ወላዲት ቅድሚ ቃላታ ንብዓታ ጭንቃ እናነዝሐ ብሕንቕንቕ ዝተኾላለፈ ቃላታ ጌራ ኣብቲ ዕላልና ተሓወሰት።‘’ኣብ ሞንጎ ጥዑይ ቆልዓ ምስ

ወለድና ጸገምና ዘብቀዐ መሲሉና ነይሩ። ነቲ ናይ መጀመርያ ስንክልና ከም ቅቡል ወሲድና ነታ ብፍቕሪ ዝማሞቐት ገዛና ንፋስ ከየእተናላ ንቐጻሊ ውላድ ተዳሊና። … ቀዳዊ ተወሊዱ። ከም ትምኒትና ግን ኣይኮነን።” ኢላ ብጫፍ ነጸላኣ ነቲ ጸረር እናበለ ምቁራጽ ዝኣበያ ንብዓታ ጽርግ ኣቢላ ትም በለት።ንቀዳዊ’ውን ልክዕ ከም ኣዛሚት

ተመሳሳሊ ስንክልና ኢዩ ኣጋጢምዎ። ኣቦኡ መሪጌታ “ ሕጂ ወዲ 14 ዓመት 8ይ ክፍሊ ተመሃራይ እዩ - ቀዳዊ።” ብምባል ወዶም ሓደ ካብቶም ብሉጻት ተመሃሮ ከምዝኾነ ሓቢሮሙኒ።ሰብኣይን ሰበይትን ንዝወረዶም

ብምቕባል፡ ግን ከኣ ንመጻኢ ክወግሓሎም ብምትምናይ፣ ‘ወጋሕታ’ ኢሎም ዝሰመይዋ ጓል ወለዱ። ወጋሕታ ተስፋይ’ውን ብተመሳሳሊ ስንክልና ድኣ ተጠቕዐት። ስንክልናኣ ግን ካብ መሳቱኣ ኣየርሓቓን ምስኣቶም ትጻወት ምስኣቶም ትመሃር። ወጋሕታ ጓል 9 ዓመት 3ይ ክፍሊ ተመሃሪት’ያ። እታ ኣብ መወዳእታ ዝተወልደትን ንዓኣውን እቲ ኣብታ ስድራ ዘጋጠመ ባህርያዊ ስንክልና ዘይንሓፋን ጓል 8 ዓመት ሳምራዊት ተስፋይ እውን፡ ማዕረ ምዕባይ ሓብታ ተማሃሪት 3ይ ክፍሊ ምዃና ወለዳ ሓቢሮሙኒ። ‘’እቲ ጾር ከቢድ እቲ ጸገም’ውን

ልዕሊ ዓቕምና ይኹን እምበር ንሕና ሞራልና ከየውደቕና እቶም

ደቅናውን ክመሃሩን ንዘጋጠሞም ስንክልና ክብድሁን እናኣተባባዕና ናብራና ቀጺልናዮ። ደቂ ዓድና’ውን ነቲ ጻዕርና ብምርኣይ እንተ ብግልጺ እንተ ብሕቡእ ክሕግዙና ጀሚሮም ።” ዝበሉ መሪጌታ፣ “ካብ ኩሉ እቲ ዝኸበደ ጸገም ናብ ቤት ምህርቲ ንክኸዱ ምስ ራሕቂ ቤት ትምህርቶምን ምስ ጥዕና ዘይምህላውን ይደኽሙና ነይሮም። ይኹን’ምበር ብጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕንነት ን/ዞባ ድባርዋ ናይ ኣድግን ኮረሻን ሓገዝ ተገይሩሎም ትምህርቶም ጽቡቕ ይቕጽሉ ኣለዉ።” ብፍላይ እታ ንእሽተይ ካብ ቤት ትምህርታ ክትመጽእ ትደክም ስለዝኾነት ትሽገር ነይራ” ኢሎም - መሪጌታ። እዞም ቆልዑ ነብሶም ዝኽእሉሉ

መንገዲ ንምፍጣር ዝተገብረ ጻዕሪ እንተልዩ፡ ንኣቶ ላይነ ኣመሓዳሪ ዓደቀ-ተኹላ ሕቶ ኣቕሪበሉ። ኣቶ ላይነ ብወገኑ - “ሕበረተሰብና ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ባህሪ ዘለዎ ሕብረተሰብዩ። ዝገርመኪ ነተን ደቂ 8 ዓመትን 9 ዓመትን ቆልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ክመጽኣ ከለዋ እንተደኺመን፡ መማህርቶም ካብ ዓደቀተኹላ ናብ ገርጠጢ ኣስታት 4 ኪሎ-ሜትር እናተበራረዩ ብምሕዛል የምጽእዎም።” በለ’ሞ፦“ቤት ጽሕፈትና’ውን ናይቶም

ነኣሽቱ ትምህርቶም ምክትታል ኣማራጺ ዘይብሉ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ከምዝኾነ ስለ ዝኣምን፣ ክመሃሩ’ዩ ዘተባብዕ። ንኣዛሚት ግና ምስ ስንክልናኣ ተራእዩ መሬት ጤሳ ኣብ ምሃብን ካልእን ይተሓጋገዞም ኣሎ።” ክብል ገሊጹለይ።ኣብ መወዳእታ ራእይ ናይ’ቶም

ቆልዑ ንምፍላጥ ብመጀመርያ ንኣዛሚት’የ ኣዘራሪበያ። “ቅድም፡ ዝኾነ ስራሕ ናይ ገዛ ሓላፍነት ባዕለይ ይሽከም ኔረ። ሕጂ ግና እንታይ ከምዝኾንኩ ብዙሕ ክሰርሕ ኣይክእልንየ። ድኻም ይስማዓኒ።” ምስ በለት - ብዛዕባ መጻኢኺ እንታይ ትሓስቢ?

ክብል ተወከስኩዋ።“ኣብዚ ዓድና መሬት ጤሳ ተዋሂበ

እየ። ብሓደ ገባር ሰናይ’ውን ተሰሪቱለይ ኣሎ - ገዛ።ሓንቲ መደቀሲተይን ሓንቲ

ድኳንን እንተ ደኣ ገይረ። እናሸቀጥኩ ነብሰይ ክኽእልየ ዝሓስብ።” ኢላ ክትምልሰለይ እንከላ ኣብ ገጻ ምሉእ ነብሰ-ተኣማንነትን ተስፋን ይንበብ ነበረ። “እሞ ኩሉ’ቲ ሕሳብ ምግባርን

ምሽቃጥን ትኽእልዮዶ?”“እወ ጸገም ዝበሃል የብለይን፡” ምስ

በለትኒ ንተመሳሳሊ ሕቶ ገጸይ ናብ ወዲ 14 ዓመት 8ይ ክፍሊ ተመሃራይ ቀዳዊ ተስፋይ ኣቕናዕኩዎ።“ቀዳዊ ብትምህርቲ ከመይ ኢኻ?”

በልኩዎ። ንሱ’ውን ብምሉእ ፍናን -“ንፉዕ’የ። ግና ብዝበለጸ ካብቶም

ብልጫ ዝወስዱ ተመሃሮ ክኸውን እየ ዝጽዕር” መለሰ። “ኣብ ጉዕዞ

ትደክምዶ? “ ”ፈጺመ ኣይደክምን’የ። ካብ’ዚ

ንሕረት-ዑና ንልዕሊ 10 ኪሎ-ሜትር ብእግረይ በጺሐ ይምለስ። ኣብ ዝኾነ ንውሓት ዘለዎ ገረብ’ውን ብዘይ ዝኾነ መሳርሒ ሓገዝ ደይበ ክወርድ ይኽእልየ።” ኢሉ ፍሽኽ በለኒ።“ኣብ መወዳእታ፡ ትምህርትኻ ምስ

ዛዘምካ እንታይ ክትከውን ትደሊ?” እትብል ሕቶ ምስ ኣቕረብኩሉ ንኩላትና ጠሚቱ ስቕ በለ።“እንታይ ክትከውን ከም እትደሊ

ኣይትፈልጥን ዲኻ?” ቀዳዊ እንደገና ነቶም ኣብታ ገዛ

ዝነበርና ጠመተና’ሞ -“ኣጸቢቐ እፈልጥ እምበር!” ክብል

ኣድመጸ።“እንታይ ደኣ ስቕ ኢልካ?”“ኣነ ክኾኖ ዝደሊ ፓይለት’ዩ” በለ

ትሕት ብዝበለ ድምጺ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ። ስክፍታኡ ፍልጠቱ ዘይኮነ ቁመቱ ምዃኑ ተረዲኡና - ኣብ’ታ ገዛ ዝነበርና ኩላትና ኣተባቢዕናዮ። ምኽንያቱ ዓለምና፡ ከም ‘ሄለን ከለር’ ንዝተደራረበ ስንክልና በዲሆም ኣብ’ቲ ዝደልይዎን ዝተመነይዎን ዝበጽሑ ብዙሓት ሰብ ራእይ ስለ ዘአንገደትን፡ ትርጉም ምንባሮም ፈሊጦም ንካልኦት ትርጉም ምንባር ዘፍለጡ ብዙሓት ምሁራት ስለእትውንንን።ሳልሳይ ክፍሊ ናብ ዝመሃራ

ወጋሕታን ሳምራዊትን ሕቶይ ቀጺለ - “ትምህርትና ክንቅጽል ኢና ንደሊ።” ኢላ ጀሚራ ሳምራዊት።“ሓደ ሓደ ጊዜ ካብ ቤት ትምህርቲ

ክንምለስ ከለና ይመስየና እዩ. .” ምስ በለት - “ብምንታይ?” ሕቶይ ነይሩ።“ወጋሕታ ሓፍተይ ስለትደክም

ንዓኣ ከሳሊ ይመስየና።”“እሞ መን ደኣ ይሕግዘኪ?”“ደቂ ዓድና ገዲፎምና

ኣይከዱን’ዮም። የሳልዩና። እንተዘይ ክኢላ ድማ ይሓዝልዋ።” ንስኺኸ?“ኣነስ ድሓን’የ።”

***ነዚ ዛንታ ምስ ሰማዕኹ ናብ’ቲ

ገዛ ክኣቱ ከለኹ ዝነበረኒ ኣረኣእያን፡ ክወጽእ ከለኹ ዘጋጠመኒ ኩነታትን በበይኑ ኮይኑ ረኸብኩዎ። እታ ገዛ ክትኣትዋ ከለኻ - ኣይኮነን ተስፋ ክትሪኢ ጭንቀት ከይውሕጠካ ኢኻ ትፈርሕ። እንተኾነ ብኣንጻሩ - እታ ገዛ ብፍቕሪ ማሚቛ ‘ሓወይ!. ሓብተይ! እናተበሃሃሉ በታ ዓቕሞም ልዕሊ ጥዑይ ሰብ ትንቢታትን ተስፋን ኣብ ሕልናኦም ሓዚሎም፡ ነዛ ብኣሻዃ ዝተቐበለቶም ዓለም መንጸፍ ወርቂ ከንብሩላ ክጽዕሩ ብዓይነይ ተዓዚበ።በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቶም ኣብ ዝባኖም

ሓዚሎም ዘመላልስዎም ደቂ ዓዶም ሞሳ ይኹኖም። ንሳቶም በታ ኣቕሞም፡ ክንድዚ ሓገዝ ከበርክቱሎም ምርኣይ፡ መርኣያ እሩምን ስልጡንን ሕብረተሰብ ስለዝኾነ። ኣብ መወዳእታ ጽቡቕ ናይ’ዛ

ስድራ-ቤት ክርኢ ዘሎኒ ህርፋን ወሰን የብሉን። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብቶም ዝማዕበሉ ዓለማት ከይተረፈ ሰብ ምስ ምሉእ ዓቕሙ ካብ ተስፋ ርሒቑ ኣብ ሕማቕ ክወድቕ ምርኣይ ንቡር ዝኾነሉ ዘመን፣ ከምዚ ናይ’ዛ ስድራ ዝኣመሰለ ኩርኳሕ ናብራ ክሰገሩ ብተስፋን ጻዕርን ዝመርሕዎ ዘለዉ ህይወት፡ ንኻልኦት ብርግጽ መምሃሪ ስለዝኾነ። ምስ ነብሰይ - ‘ርግጸኛ’የ፡ ድሕሪ

ቁሩብ ደገፍ ምስ ተስፋኦምን ራእይኦምን ኣብ ዓወት ክርእዮም’ ኢለ እናተመነኹ፡ “ሓሳብ ልብኹም የስምረልኩም” ብምባል ተፋንየዮም ።

ገነት ተኽለካብ ድባርዋ

Page 8: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 8መበል 26 ዓመት ቁ.57

ብዙሕ እዋን ኣንጸርጺረ - እዛ ሰብ’ዚኣ ግዳ ከም’ቲ ዝሓሰብኩዎ ክትኮነለይሲ ይትረፍ፡ ፍሕት ክትብል’ውን ኣይከኣለትን። ግን ከኣ እንተዘይተጸሚመያ ኩሉ’ቲ ዘሕለፍኩዎን ዝደኸምኩዎን ብላሽ ክኸውን’ዩ። “ናብ ሳልሰይቲ ነጥቢ እሰግር ኣለኹ”

ብምባል ጠመትኩዋ። ትከታተለኒ ከምዘላ ምስ ኣረጋገጽኩ፡ “እዛ ሳልሰይቲ ትምህርትና ‘ዝንቡዕ መደምደምታ’ እያ እትብል። እዚ ከኣ፡ ንሓደ ነገር፡ ምስኡ ፍጹም ምትሕሓዝ ብዘይብሎም ነገራት ምርኩስ ገይርካ መደምደምታ ክትህበሉ ከለኻ ማለት’ዩ። ንኣብነት ንሂላል ምሳና ንዑደት ኣይክንማልኦን ኢና። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ንዕኡ ምሳና ኣብ እንማልኣሉ እዋን ማይ ይወቕዓና - ንጥልቂ ኸኣ።”“እውይይይይ! ንዓይ እውን ከምዚ

ዝመስል ኣጋጣሚ የጓንፈኒ’ዩ። ሓንቲ ሳራ ስማ ጓል ገዛውትና ኣላ። ንሳ ምሳና እንተሃልያ. . . .”“ኪዲ!” ኮለፍኩዋ ብነድሪ። “ብስነ-

ሞጎታዊ ዓይኒ ክትጥምቲ ፈትኒ። ሳራ ዝናብ ኣይትህብ ኣይትኸልእ። ንሳ ኣብ ምውቃዕን ዘይምውቃዕን ዝናብ ዋላ ሓንቲ ኢድ የብላን። ንዓኣ ተሳብባላ እንተነይርክን ተጋጊኽን። እዚ ዝንቡዕ መደምደምታ’ዩ”“ኣይትሕረቕ። ካብ ሕጂ ከምዚ ዓይነት

ጌጋ ኣይክደግምን’የ።” ቃል ኣተወትለይ። “ኣሸጊረካ ድየ?” ጠሚተያ፡ “ኖኖእ፡ ድሓን ኢኺ ሱዚ -

ዘሕርቕ የብለይን።”“እሞ ዕላልካ ቀጽል”“ሕጂ ከኣ ተዋቓዕቲ ሓሳባት ክንርኢ

ኢና”“ግርም!” ኣዒንታ ናባይ ኣትኪላ እና

ኣውራሕራሓተን። ገጸይ ጽውግ ኣቢለ ብምቕጻል፡ “ጽን

ኢልኪ ስምዕኒ!”“ሕራይ”“ፈጣሪ ኩሉ ነገር ክገብር ይኽእል’ዩ።

ስለ’ዚ፡ ኣዝዩ ገዚፍ ንሱ ንባዕሉ እውን ክስከሞ ዘይክእል፡ በቃ ክንዲ. . . ገለ ደንጐላ ክሰርሕ ወይ ክፈጥር ይኽእል ዶ?”“እወ” ብኹርዓት መሊሳ።“ዝኾነ ክገብር ዝኽእል እንተኾይኑሲ፡ ነቲ

ደንጎላ’ውን ንኽስፍስፎ ኣይጽገምን’ዩ።” ስቕ ኢለ ክለቃ ኣይደለኹን።“ሓቅኻ” በለት ብኣግርሞት። “ኣንታ

እሞ ክንድ’ቲ ትብሎ ዘለኻ ደንጎላስ ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ ማለት’ዩ!”“እንታይ ኮይኑ ዘይክእል? ዝኾነ ነገር

ዝገብር እንተኾይኑ፡ እንታይ መጺእዎ ክንድኡ ደንጎላ ክሰርሕ ዘይክእል?” ኣዘኻኸርኩዋ።ርእሳ ሓኸፍ ሓኸፍ እናኣበለት “እንድዒ

ወደይ ድንግርግር ኢሉኒ ኣሎ።” ተናሲሓ።“ሓቅኺ ኢኺ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ

ብንጹር ክትገልጾም ዘሸግሩ ምስ ገዛእ ነብሶም ተገራጨውቲ ዝኾኑ ሓሳባት ኣለዉ። ዝኾነ ሰብ ክምልሶም ወይ መደምደምታ ክህበሎም ኣይክእልን።”“በል ካልእ ኣብነታት ወስኽ ኣይጸገብኩን።”

ንሳ’ውን ብቐሊሉ ትገድፈኒ ኣይትመስልን። ሰዓተይ ተመልኪተ። “ካብ ምሸት ለይቲ

ክንብሎ ይቐልል። ንሎሚ ኣብ’ዚ ይኣኽለና። ሕጂ ገዛኺ ከብጻሓኪ’የ። ነዘን ዝተመሃርናየን ገዛ ምስ ከድኪ ደጊምኪ ኣጽንዕየን። ጽባሕ ካልእ ትምህርቲ ክህልወና’ዩ።”ናብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝድቅሳሉ ቦታ

ምስ ኣብጻሕኩዋ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ከም ዝወሰደትን ከም ዝተሓጐሰትን ገሊጻትለይ ከደት። ኣነ ኸኣ ዘገም እናበልኩ ናብ መደቀስየይ - ናብቲ ኣወዳት ዝድቅስሉ ክፋል ናይ’ቲ ኮለጅ። ጆን ነታ ካቦት ተኸዲንዋ

ፍቕሪ ርትዓዊ ድዩ. . .?ድርሰት ማክስ ሹልማን - ትርጉም ሃብቶም ኢዮብ

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ክሕርንኽ ጸንሓኒ። ንሱዚ ንምዕራይ ዝወስዶ ዝነበርኩ ስጉምታት ዝፈሽል ዝነበረ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ፡ ኣተንሲኤ ‘ሱዝኻ ውሰደለይ’ ብምባል ክመልሰሉ ሓሲበ ነይረ። ግን ከኣ መሊሰ ሓሲበ። ሓንሳብ ፈቲነ’የ ካልኣይ ሳልሳይ ሳዕ’ውን ክፍትን ወሲነ። ሓቂ ይሓይሽ ዋላ ሓንቲ ተስፋ ኣይረኣኹላን። ግን ከኣ ክሳብ መጠረሽታ ክፍትን’የ። ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ናይታ ዝቐጸለት መዓልቲ ኣብ ቦታ ቆጸራና ቀልጢፍና ተራኺብና።“ናይ ሎሚ ትምህርትና ‘ሕላገት ጭንቂ’

እያ እትብል። ትሰምዕኒ ዶ ኣለኺ?”“እወ”ሓደ ሰብኣይ ስራሕ ክኣቱ ናብ ቤት

ጽሕፈት ናይ ሓደ ትካል ወረቐት ኣእትዩ። ሓለቓ እቲ ትካል ደረጃ ትምህርቱ፡ ብቕዓቱ ሓቲትዎ። እቲ ሰብኣይ ክዛረብ ዕድል ምስ ተዋህቦ ኣብ ገዛ ሽዱሽተ ቆልዑን ሰበይትን ከም ዘለዉዎ፡ በዓልቲ ቤቱ ክትሕግዞ ዘይትኽእል እግራ ስንክልቲ ምዃና፡ እቶም ቆልዑ ዝብላዕ ይኹን ክዳን ዘይብሎም፡ ጥራይ እግሮም ዝኸዱ፡ ኣብ ገዛ መደቀሲ ዓራት ዝሰኣኑ ምዃኖም፡ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ናይ ኣስሓይታ ወቕቲ ከመይ ገይሮም ከም ዝሓልፍዎ ጨኒቝዎ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።በቲ ዝተነፍሐ ፓላንቺና ዝመስል

መዓጓጉርታ፡ ፍሩይ ንብዓት ኮረር ኮረር እናበለ ክወርድ ተዓዘብኩ። “እዝስ ብጣዕሚ ዘደንግጽ እዩ!” እናነብዐት።“እወ ዘደንግጽ’ዩ።” ምስ ሓሳባ ክሰማማዕ

መረጽኩ። “ግን እቲ ሰብኣይ’ኮ ዝተሓተቶ ኣብ ክንዲ ዝምልስ ሽግሩ ብምዝርዛር እዩ - ነቲ ሓላፊ ከደንግጾ’ሞ ስራሕ ከም ዘእትዎ ክገብር ፈቲኑ።”“በጃኻ መንዲል እንተሃልዩካ ሃበኒ።”

እናበለት ኣጉረምረመት።ከም ዝበለትኒ ገበርኩ። ንኸይትበኪ ከኣ

ኣባበድኩዋ። ንብዓት ኣዒንታ’ውን ሓበስኩላ። “ቀጺልና” ድምጸይ እናተቖጻጸርኩ “ዘይመሳሰሉ ምምስሳል ክንመሃር ኢና። ንኣብነት ተመሃሮ ኣብ ግዜ ፈተና መጽሓፍ ክርእዩ ይፈቐደሎምዶ ኣይፈቐደሎምን? ምኽንያቱ ናይ ሕጊ ክኢላታት ኣብ እዋን ፍርዲ ዝጥቀምሉ ሓጺር ጽሑፍ ኣለዎም። ነዳቖ ከም መወከሲ ዝጥቀምሉ ስእላዊ ውጥን ናይ’ቲ ዝሰርሕዎ ገዛ ኣለዎም። እቲ ሓቂ እዚ እናኾነ ግን፡ ንምንታይ ተመሃሮ ኣብ ግዜ ፈተና መጽሓፍ ገንጺሎም ክምልሱ ዘይፍቀዶም?” “ሕጂ ኸኣ” ብተመስጦ “ፈጺመ

ሓሲበሉ ዘይፈልጥ ነገር ኣስሚዕካኒ። እምበር ግርም ኣለኻ ክፍቀዶም ኣለዎ።”“ሱዚ” ብሕርቃን “እቲ ሓሳብ ጌጋ’ዩ።

ሰብ ሕጊ፡ ነዳቖ፡ ክሳብ ክንደይ ፈሊጦም ወይ ተረዲእዎም ኣይኮኑን ዝፍተኑ። ተመሃሮ ግን ዘለዎም ፍልጠት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እዮም ብፈተና ዝምዘኑ ዘለዉ። ስለዚ ክነጻጸሩ ዘይክእሉ ክልተ ነንበይኖም ነገራት እዮም።”“ሕጂ ከማን ሓቅኻ ኢኻ ዘለኻ”

መለሰትለይ ምስ ሓሳበይ እናተሰማምዐት።“ርእሲ ዓካት!” እናኣጉረምረምኩ

ተጻረፍኩዋ። እዚኣስ ኣይትረብሕን’ያ ኢለ ደምደምኩ። “ቀጺልና ምስ ክውንነት ዝጻረር ወይ ዘይቃዶ ጽንሰ-ሓሳብ ከነምጽእ ኢና።”ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ እንተነይሩ “ግርም”

ምባል ጥራይ’ዩ።“ካልኣይ ኲናት ዓለም እንተዘይነብር፡

ዓለም ካብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ብምዕባለ ምተወንጨፈትዶ ነይራ?”

“ብርግጽ! ብዘይጥርጥር! እዛ ሓሳብካ ቅንዕቲ’ያ”“ኣቲ! ቁሩብ ኣይትሓስብን ዲኺ? ናይ

ጠበንጃ ኩናት ጥራይ ድዩ ንምዕባለ ዝዓግት? ሓደ ዘይከውን - ዘየለ ሓሳብ ኣምጺእካ ካብኡ ከኣ ቅኑዕን ርጉጽን መደምደምታ ክትህብ ኣይከኣልን’ዩ። ከመይ ገይርኪ ኢኺ ብርግጽ ትብልኒ? ካልኣይ ኩናት ዓለም እንተዘይነብር፡ ምናልባት ንዓለም ምሉእ ኣብ ኣዋርሕ ወይ መዓልታት ኣጽንት ከብል ዝኽእል፡ ካብ በዓል አይድስ ኣዝዩ ዝኸፍእ ሕማም እውን ምመጸ ነይሩ ይኸውን። እንታይ ይፍለጥ? ደሓር ከኣ በቲ ኲናት ዝረብሑ ወገናት እኳ ኣለዉ። ስለ’ዚ ከመይ ገይርኪ ኢኺ ብርግጽ ትብሊ?”“እንድዒ ወደይ!” ኢላ ኣስቀጠት። ናይ መወዳእታ ዕድል ክህባ ወሲነ።

ንኹሉ ደረት ኣለዎ። “ኣስተውዕሊ። እዛ ሓሙሽይቲ ነጥቢ ‘ኣቐዲምካ ምዕባስ’ እያ እትብል።”“ብሓቂ በሊሕ ኢኻ ኣታ!”“ክልተ ሰባት ይካትዑ ነይሮም። እቲ ሓደ

ትንስእ ኢሉ ‘እዚ መቐናቕንተይ ዕሉል ሓሳዊ ስለዝኾነ፡ ዋላ ሓንቲ ክትእመን ትከኣል ቃል ኣይከውጽእን እዩ’ ብምባል ተዛሪቡ። ሱዚ ሕጂ ሓሲብኪ መልሲ። ኣጸቢቕኪ ሕሰቢ። ጌጋኡ እንታይ’ዩ?”ኣ ት ኲ ረ

እንተተመልከትኩ ወላህላህ ዝብል ገጻ እስርስር ከተብሎ ረ ኣ ኹ ዋ ። ንመጀመርታ ግዜ ከኣ ሃንደበት ብልጭ ዝበለ ብልሒ ከ ተ ን ጸ ባ ርቕ ተዓዘብኩ። “እዚ ፍትሓዊ ኣይኮነን።” በለት ነቲ ሰብኣይ ብምዝላፍ። “ፈጺሙ ፍትሓዊ ኣይኮነን። እቲ ካልኣዩ ቅድሚ ምዝራቡ ሓሳዊ ኢሉ እንተ ጸሪፍዎ ደኣ ነቲ ካልኣዩ ዕድል ክኸልኦ ይኽእል’ዩ። ትካታዕ ክሳብ ዝሃለኻ ቅልስካ ሓሳብ ብሓሳብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እምበር ንኻልኣይካ ብምድሃል ፈጺሙ ከም ዘይዛረብ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን።” “ልክዕ ኣለኺ!” ወጨጭኩ ብፍሱህ ገጽ።

ጻዕረይ ንብላሽ ከም ዘይነበረ ክስወጠኒ ጀሚሩ። ሚእቲ ሚእታዊት ጽቡቕ ኣለኺ ሱዚ ሽኮር። ብሓቂ እቲ ሰብኣይ ርትዓዊ ኣይኮነን። ነቲ ካልኣዩ ከይጀመረ እንከሎ እዩ ኣልሚስዎ። ሱዚ ብኣኺ ኣዝየ ኩሩዕ’የ።” በልኩዋ ናይ ልበይ ስለ ዝተሓጎስኩ።“ኣይትላገጽ” ንሳ ውን ኣብ ገጻ ናይ ሓጐስ

ስምዒታት እናኣንጸባረቐት።“ርኤኺ ሱዚ ሽኮር፡ እዚ ኹሉ

ዝተዘራረብናሉ ዛዕባታት ቀሊል ማ…….ራ ቀሊል እዩ። ምስትውዓል ጥራይ’ዩ ዘድልዮ። ኣጸቢቕኪ ሕሰቢ፡ ተመራመሪ፡ ሽዑ ገምጋምኪ ትህቢ። ሕጂ ነዚ ኹሉ ዝተመሃርናዮ ክንደግሞ ኢና። ሕራይ ዶ?”“ሕራይ ጀምር” ኢዳ እናኣወዛወዘት።ደጊም ሱዚ በሃም ኣይኮነትን። ተረዲእዋ’ዩ

ብዝብል መረዳእታ ተተባቢዐ ብዙሕ ሕቶታት ኣውሒዘላ። ብዘይ ምሕላል ደጊመ ደጋጊመ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ዝመሃርኩዋ ነጥብታት

ሓቲተያ፡ ነጊረያ’ውን። ንዓኣ ምምዓድ ቀዳድ ፊስቶ ማይ ከም ምምላእ’ዩ። ትርጉም ኣይረኸብኩላን። ግና ከይተሓለልኩ ደኣ ቀጸልኩ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ተኻሒሰ። ብርሃን እተሕልፍ ንእሽቶ ነቓዕ ረኺበ። እዛ ነቓዕ እናዓበየት ድሕሪ ምኻዳ፡ ጸሓየይ ብምልእታ ተቐልቂላ። ምሉእ ብምሉእ ከኣ ብርሃን ኮነ። እዚ ንኽገብር ግን ንሓሙሽተ መዓልታት ምሸት ምሸት ከይተሓለልኩ’የ ሰሪሐ። ኣመዛዚና ንኽትሓስብ ኣበርቲዐ ሓጊዘያ። ካብታ ዓሻ ሱዚ ሓደ ዘመዛዝን ሰብ ፈጢረ። ደጊም ዕማመይ ዛዚመ’የ። ኣብ መወዳእታኡስ ከምታ ዝደልያ ዓይነት ሰብ ደኣ ኮነትለይ። በቃ ከምታ በዓልቲ-ቤተይ ክትከውን ዝምነያ፡ እታ ንዝወልዶም ቆልዑ እትበቅዕ ኣደ፡ ኣብ ስራሓተይ ጽቡቕ ገይራ ክትሕግዘኒ እትኽእል ኮይናትለይ። ኮታ ትምኒተይ ሰሚሩለይ!ነዛ ጓል እዚኣ የፍቅራ ከም ዝነበርኩ ከም

ርዱእ ክውሰድ ኣለዎ። ከምቲ ሓደ ቀባኣይ ባዕሉ ንዝሰርሓ ቅባኣ ኣብ ፍቕራ ዝወደቐ፡ ኣነ ኸኣ ከምኡ ኮይነ። ኣብ ዝመጽእ ርክብና ዘለኒ ስምዒታት ክነግራ ወሲነ እየ። ምሕዝነትና ካብ ትምህርታዊ ናብ ፍቕራዊ ዝቕየረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።

“ሱዚ!” ኣድሃኹዋ ኣብ ትሕቲ እታ ኩሉ ግዜ እንራኸበላ ዓባይ ገረብ ኮፍ ምስ በልና ድማ - “ሎሚ ከምቲ ናይ ኩሉ ግዜ ኣይኮንናን ከነዕልል።”

“ኢሂ” ስምብድ ኢላ።

“ፍትውተይ” ፍሽኽ እናበልኩ “ ን ሓ ሙ ሽ ተ መዓልታት ብሓንሳብ ኣምሲና። ክልቴና

ሕጉሳት ዝነበርና እመስለኒ። እንተዘይ ተጋግየ ክንወሃሃድ ክኢልና ኢና።”

“እዚ ህዉኽ መደምደምታ ምሃብ እየ ዝብሎ ኣነ።” ኣሕጽር ኣነጽር ኣቢላ።“በጃኺ ኩነታተይ

ተረድኢ”“ህዉኽ መደምደምታ ኣይትሃብ።”

ደገመትለይ። “ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ተወሃሂድና ትብል?” ተገሪመ ብውሽጠይ ሰሓቕኩዋ። እቲ

ዝመሃርኩዋ ጽቡቕ ገይራ ኣጽኒዓቶ’ያ። “ሽኮረይ!” ኣፍኲሰ ኢዳ እናሃረምኩ “ሓሙሽተ መዓልታት! ንዓይሲ እኹል ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ደሓር ከኣ ሓንቲ ፓስተ ጥዕምቲ ምዃናን ዘይምዃናን ንኽትፈልጥ ንእሽቶ እንተኾሊስካላ እኹል’ዩ። ግድን ብምሉኣ ክትበልዓ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።”“ዘይከውን ምምስሳል” በለትኒ

ኩርዕ ኢላ። “ኣነ ጓል እምበር ፓስተ ኣይኮንኩን”ክሓርቕ እናደለኹ ኣትኲረ

ጠመትኩዋ። እቲ ዝመሃርኩዋ ልዕሊ ትጽቢተይ ኣጽኒዓቶ። ስለ’ዚ ሜላታት ክቕይር ኣለኒ። እታ ዝቐለለትን ዝበለጸትን ኣማራጺት ብግህዶ ከም ዘፍቀርኩዋ ምንጋር’ያ። እቲ ብርቂ ሓንጎለይ ቃላት ክሳብ ዝመርጽ ሓንሳብ ተገሪመ ስቕ በልኩ።

“ሱዚ የፍቅረኪ እየ። ንስኺ ንዓይ ዓለመይ፡ ወርሐይ ከዋኽብተይ፡ በቃ ኣድማሰይ ኪንዮኡ’ውን ዘሎ ኩሉ ነገር ኢኺ። ስለ’ዚ በጃኺ ሕራይ በልኒ። ንስኺ ሕራይ እንተዘይ ኢልክኒ ብህይወት ምቕጻለይ ትርጉም የብሉን። ሕራይ እንተዘይ ኢልክኒ፡ እኽለ-ማይ ዘይለክፍ ኣዒንቱ ዝጠለማኦ፡ ስልኩይ ሰብ’የ ክኸውን።”“እውይ፡ እቲ ስራሕ ክደሊ ከሎ - ሕቶ

ሓላፊኡ ገዲፉ ክንደይ ቆልዑ ከምዘለዉዎ፡ ዝበልዕዎ ከም እተሸገሩ፡ መደቀሲ’ውን ከምዘይብሎም ነጊሩ ከብዱ ክበልዕ ዝፈተነ ሰብኣይ ኮይንካ ተራኢኻኒ። ስለዝስ ደንጊጸ ሕራይ ከም ዝብለካ ክትገብረኒ ኣይትፈትን።”ብሕርቃን ክቃጸል ደለኹ። ኣስናነይ

ኣሐርቀምቀምኩወን። ብሕርቃን ዝኣክል ጐረሮይ ብኣፈይ ክትወጽእ ደለየት። ግን ከኣ ህድእ ክብል ኣለኒ።“ሸቃጣይ ኣይትኹነለይ።” ኣስዒባ

ዝበለትኒ’ዩ።“ሱዚ! መን ድዩ እዚ ኹሉ ምሂሩኪ?”“ምምሃር ደኣ ንስኻ ምሂርካኒ።”“ግ...ርም ኣለኺ። ስለ’ዚ ዝእውደኪ ኣለኒ፡

ዕዳ ኣለኪ። ምሳይ እንተ ዘይትቐርቢ እዚ ኩሉ ኣይምፈለጥክን።”“እዚ ምስ ክውንነት ዘይቃዶ’ዩ። ሓደ

ክውን ዘይኮነ ሓሳብ ኣምጺእካ ካብኡ ሓቂ ከተውጽእ ኣይከኣልን’ዩ።” ንእለት መለሰትለይ።ብሸፋሽፍቲ ኣዒንተይ ከይተረፈ ረሃጽ ኮረር

ክብል ጀሚሩ። “ሱዚ!” ጨደርኩ። “እዚ ኹሉ ዝመሃርኩኺ ከም ዘለዎ ቃል ብቓሉ ክትወስድዮ የብልክን። ኩሉ ኣብ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ክሕግዘኪ ዝነገርኩኺ’ዩ። እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንቐስሞ ትምህርቲ ኩሉ ምስ ህይወት ምትሕሓዝ ዘለዎ ከምዘይኮነ ከኣ ትፈልጢ ኢኺ መስለኒ።”“ዘይብቑዕ መደምደምታ።” ኢዳ ናባይ

እናኣመልከተት ብሰሓቕ ትዋሕ በለት። ተጻዊታትለይ። ዝገብሮ የብለይን።

“ሕራይ ትብልኒ ዲኺ ኣይትብልንን?”“ኣይብለካን እየ።” መለሰት።“ስለምንታይ?”“ምኽንያቱ፡ ዓንተቦይ ድሕሪ ምሳሕ

ንጆን ዓርክኻ ሕራይ ስለዝበልኩዎ።”ብስንባደ ንድሕረይ ገጸይ ሰንከልከል

በልኩ። እዚ ኹሉ ጆኒ ክገድፈለይ ድሕሪ ምስምማዑ፡ ቃል ድሕሪ ምእታዉ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣቐዲሙ እንተዝኸውን ደለ ምኾነ።“ነዚ ጠላም!” ኣጉባዕባኩላ። ኣብ ቅድመይ

ዝጸንሓኒ እክብ ዝበለ ሳዕረ ማዕሪ እናቐላዕኩ። “ምስኡ ክትከዲ ኣይትኽእልን ኢኺ። ንሱ ሓሳዊ፡ መጠፋፍኢ፡ ጠላም’ዩ።”“ ‘ኣቐዲምካ ምዕባስ’ እትብል ሓሳብ

ረሲዕካያ ዲኻ? ንሱ ሓንቲ ቃል ከየምሎቐ፡ ከይተዛረበ እሞ ብድሕሪኡ ከተጸልሞ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ሓቀኛ እንተኾይንካ ኣብ ቅድሚኡ ሓሳብ ብሓሳብ እዩ ክትራታዕ ዘለካ።” ድሕሪ ምባላ፡ “ሕጂ ስቕ ኢልካ ከተጉባዕበዓለይ ኣይትፈትን። ከም ዝመስለኒ ምጉብዕባዕካ እውን ፍትሓዊ ኣይኮነን።” ውሽጣዊ ሕርቃነይ ብሓይሊ ክቆጻጸር

እናፈተንኩ ቃናይ ቅይር ኣቢለ። “ጽቡቕ” በልኩ። “ብሓቂ ንፍዕቲ ኢኺ፡ ኣተሓሳስባኺ ሞጎታዊ’ዩ። ስለ’ዚ እስከ ነገራት ብሞጎታዊ ዓይኒ ክንርእዮም ንፈትን። ብኸመይ ኢኺ ካባይ ንጆኒ መሪጽክዮ? ትፈልጥኒ ኢኺ። ኣነ በሊሕ፡ ብጣዕሚ ንፉዕ ተመሃራይ፡ ብሩህ መጻኢ ዘለዎ እየ። ጆኒ ከኣ ጭኑቕ፡ ፈራሕ፡ ሕጂ በሊዑ ደሓር እንታይ ከምዝድረር ዘይፈልጥ፡ ጸልማት ዝመጻኢኡ እዩ። ስለ’ዚ ንምንታይ ካባይ ንጆኒ ከም ዝመረጽኪ ሓንቲ ሞጎታዊት ምኽንያት ክትህብኒ ትኽእሊ?”“ብዘይጥርጥር!” በለትኒ። “ጽብቕቲ፡ ደስ

እተብል ጎፍጓፍ ካቦት ኣላቶ!!”

Page 9: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 9መበል 26 ዓመት ቁ.57

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

መደብ ጸወታሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝቦርንማውዝ - ሳንደርላንድ 6፡00በርንለይ - ክሪስታል ፓላስ 6፡00ማን ሲቲ - ሚድልስቦሮ 6፡00

ዌስትሃም - ስቶክ 6፡00ቸልሲ - ኤቨርተን 8፡30

ላ’ሊጋግራናዳ - ዲፖርቲቮ ላ ኩሩኛ 3፡00

ሪያል ሶሴዳድ - ኣትለቲኮ ማድሪድ 6፡15ኦሳሱና - ዲፖርቲቮ ኣላቨስ 8፡30

ላስ ፓልማስ - ኤባር 10፡45

ሰረ’ኣናፖሊ - ላዝዮ 10፡45

ጽባሕፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ኣርሰናል - ቶተንሃም 3፡00ሃል ሲቲ - ሳውዝሃምፕተን 5፡15ሊቨርፑል - ዋትፎርድ 5፡15ስዋንሲ - ማን ዩናይትድ 5፡00ሌስተር ሲቲ - ዌስትብሮም 7፡30

ላ’ሊጋሪያል ማድሪድ - ለጋንስ 2፡00ሴልታ ቪጎ - ቫለንስያ 5፡15

ሰቪያ - ባርሳ 10፡45

ሰረ’ኣሮማ - ቦሎኛ 10፡45

ዜና ብሓጺሩ+ ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ክለብ ቸልሲን

ቶተንሃምን ቪላስ ቦኣስ፡ ኣሰልጣኒ ቻይናዊት ክለብ ሻንጋይ ኤስኣይፒጂ ኮይኑ፣ እቲ ወዲ 39 ዓመት ዓላሚ ካብ ክለብ ዘኒት ድሕሪ ምውጻኡ ብዘይ ስራሕ ዘወን ክብል’ዩ ጸኒሑ፣ ትማሊ

ድማ፡ ቦኣስ ንቦታ ናይቲ ዝተባረረ ሽወደናዊ ሰቨን ጎራን ኤሪክሰን ክትክእን ዓመታዊ ድማ 11 ሚልዮን ፓውንድ መሃያ እናወሰደ ክሰርሕን ተሰማሚዑ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ኤሪክሰን ልዑል እምንቶ ዝነበራ ክለብ ሻንጋይ ኤስኣይፒጂ፡ ካብ ዕዉትቲ ክለብ ጉዋንዙ ኤቨርግራንደ ብ12 ትሒታ ውድድራ ብምፍጻማ’ያ ነቲ ኣሰልጣኒ ክትኣልዮ ዝወሰነት፣ ከም ሃልክ ንዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ብ55.8 ሚልዮን ዩሮ ካብ ዘኒት ዝዓደገት ሻንጋይ፡ ኣብ ውድድር ላዕለዋይ ዲቪዥን ቻይና ሳልሳይ ደረጃ ምሓዛ ይፍለጥ፣+ ኣከፋፋሊ ክለብ ማን ዩናይትድ ባስትያን

ሽዋንስታይገር፡ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝኽፈት መስኮት ምስግጋር ተጻወትቲ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር ከምዝኽእል ኣሚቱ፣ ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ዝነበረ ሽዋይንስታይገር፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ፓውንድ እትኸፍል ክለብ ምስ እትርከብ ካብ ማን ዩናይትድ ክወጽእ በታ ክለብ ቀጠልያ መብራህቲ ከምዝተወልዓሉ መራኸቢ ብዙሃን ይገልጻ፣ ብኣሰልጣኒ ሞሪኖ፡ ካብታ ቀዳመይቲ ጋንታ ማን ዩናይትድ ዝተኣልየ ሽዋይንስታይገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ’ኳ ምስቶም ቀዳሞት ተጻወትቲ እንተተመርጸ፡ ሕጂ እውን ከምዘይማእመኦ ይንገር፣ እቲ ወዲ 32 ዓመት ኣከፋፋሊ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ክለባት ምስሓቡ እንተተገልጸ፡ ናብ ቻይናውያን ክለባት ናይ ምስግጋሩ ተኽእሎ ግን ዝያዳ ዓዚዙ ምህላዉ መደበር ተለቪዥን ኢኤስፒኤን ትሕብር፣+ ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ኣሳሞዋ

ጊያን ብዝገጠሞ ማህሰይቲ እግሪ፡ ጋንታኡ ምስ ምስሪ ንእተካይዶ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከምዘይስለፍ ኣፍሊጡ፣ ተጻዋታይ ናይታ ብጸለምቲ ከዋኽብቲ ዝብል ቅጽል እትጽዋእ ጋና ዝኾነ ጊያን፡ ንሃገሩ 48 ሸቶታት ብምምዝጋብ ስሙ ዝኾልዐ ገዲም ተጻዋታይ እዩ፣ ምስ ክለብ ኣልኣህሊ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጻወት እቲ ወዲ 30 ዓመት ኣጥቃዒ፡ ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘይምስላፉ ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ኣረዲኡ፣ ምስሪ 13 ሕዳር ንጋና ኣብ ኣሌክሳንደርያ ከተአንግዳ እያ፣+ ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሻምፕዮንስ

ሊግ ኤውሮጳ፡ ተጻዋታይ ቦሩስያ ዶርትመንድ - ኣቡመያንግ፡ ብውሳነ ዓላሚኡ ከምዘይተሰልፈ ይፍለጥ፣ እቲ ኣጥቃዒ፡ መቕጻዕቱ ፈጺሙ ጽባሕ ናብ ጸወታ ከምዝምለስ ዓላሚኡ ቶማስ ቱቸል ተዛሪቡ፣ ክሳብ 2020 ምስታ ጀርመናዊት ክለብ ዘጽንሖ ውዕል ዘለዎ ኣቡመያንግ፡ ኣብ 13 ጸወታታት 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ፣

‘ደርቢ’ ለንደን

ስልጠና ምሕደራ ተዋሂቡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ

ብቕዓት ሞያውያኑ ክብ ንምባል ካብ 25-29 ጥቅምቲ 2015 ንኣካየድቲ ፈደረሽናት ኵዕሶ እግሪ ስልጠና ምሕደራ ሂቡ፣ኣብቲ ካብ ኩለን ዞባታት፡ ሚኒስትሪ

ምክልኻልን ቤ/ጽ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ንዝተዋጽኡ ኣብ ምሕደራ ኩዕሶ እግሪ ንዝነጥፉ 25 ኣካየድቲ ዝተወሃበ ስልጠና ብኢንስትራክተር ምሕደራ ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ትኩእ ጉዕሽ እዩ ተዋሂቡ፣ኣብቲ ስልጠና፡ ኣፍልጦ ክኢላታት’ቲ

ዓውዲ ኣብ ተግባራት ምሕደራ ( Management Functions) ንኽሕይል፥ ሰልጠንቲ ኣብ ምሕደራ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ንምምካቶም ዘኽእሉ ሜላታት ኣብ ግብሪ ንምትርጓም፥ ኣቃውማ ቅርጽን መደባት ዕዮን ተግባርን ክለባት፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣህጉራውያን ኮንፈደረሽናት ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይ ከምኡ’ውን ኣብ ዝነጥፉሉ ፈደረስናት ዞባ ሞያ ምሕደራ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ንኸማዕብልዎ ዝሕግዞም ሜላታት ንምልላይ ዝዓለመ ምንባሩ ተሓቢሩ፣

ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ - ያያ ቱረ፡ ምስ ክለቡ ከምኡ እውን ዓላሚኡ ጓርድዮላ ንዝጸንሖ ምጉርፋጥ ንምፍታሕ ‘ይቕረታ’ ምሕታቱ ተሓቢሩ፣ እቲ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ፡ ምስ ጓርድዮላ

ዘለዎ ቅርሕንቲ ሱር ዝሰደደ እዩ፣ እቲ ዘይምስምማዕ ኣብ ባርሳ ዝጀመረ ኮይኑ ናብ ከተማ ማንቸስተር ድማ ተሰጋጊሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝነበሮ ጽልዋን ዝነኣድ ብቕዓትን ቀዋሚ ተሰላፊ ማን ሲቲ ዝነበረ ቱረ፡ ምስ ምምጻእ ጓርድዮላ ቦታኡ ምስኣኑ ይፍለጥ፣ በዚ ዝነደረ ቱረ፡ ንዓላሚኡ ብቃላት

ክሰሃሎን ኣብቲ ናይ ዘረባ ረጽሚ ድማ ንወኪሉ ከኽትትን እዩ ወሲኑ፣ያያ ቱረ ብጓርድዮላ ቦታ ከምዘይብሉ

ድሕሪ ምሕባሩ፡ ወኪሉ ዲሚትሪ ሰልዩክ ፡ “ጓርድዮላ ንፉዕ ኣሰልጣኒ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ንሳንደርላንድ ወይ ሰልታቪጎ ክዕልም ኣለዎ፣ ንባርሴሎና መሲ’ዩ ዓባይ ጋንታ ገይርዋ፣ ንባየርሙኒክ እሞ ዘረባ የብሉን፣ ኣባሓጎይ እንተዘሰልጣን እውን ሻምፕዮን ካብ ምዃን ኣምበይምተዓንቀፈትን” ክብል ተዛሪቡ ነበረ፣በቲ ኣብ ሞንጎ ጓርድዮላን ወኪል ያያ ቱረ

ዲሚትሪ ሰልዩክን ብዝተፈጥረ ግርጭት፡ ያያ ቱረ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ሕጂ ማልያ ጋንታኡ ለቢሱ ክስለፍ ኣይከኣለን ጸኒሑ፣ ክስለፍ ምስ ዝደሊ ድማ ወኪሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ ንጓርድዮላ ‘ይቕረታ’ ክሓቶ እዩ በቲ ኣሰልጣኒ ዝተነግሮ፣ ንኣዋርሕ ጠልጠል ዝበለ’ዚ ጉዳይ ድማ፡ ሕጂ ክልቲኦም (ዲሚትሪን ቱረን) ናብ መራኸቢ ብዙሃን ብምቕራብ ነቲ እስጳኛዊ ዓላሚ ‘ይቕረታ’ ሓቲቶም ይርከቡ፣“ይቕረታ ክሓትት ብተደጋጋሚ ናብ

ጓርድዮላ ደዊለ፣ ንጻውዒተይ ክቕበል ግና

ኣይከኣለን” ክብል እዩ ዲሚትሪ ንዘረባኡ ዝጅምር፣ “ሕጂ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ፣ ንዝተፈጥረ ነገር

ይቕሬታ እሓትት፣ ካብ ሕጂ ንንየው ስሙ ዝበሃል ኣብ ማዕከናት ዜና ኣይከልዕሎን እየ” ክብል እቲ ወኪል ተዛሪቡ፣ጓርድዮላ መዝነት ምዕላም ድሕሪ ምጭባጡ፡

ቱረ ሓንሳብ ጥራይ እዩ ተሰሊፉ - ኣብ ነሓሰ ኣብ ግጥም ፕለይኦፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣንጻር ስትዋቡካረስት፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሎሚ፡ ማን ሲቲ ምስ

ሚድልስ ቦሮ ኣብ እተካይዶ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንኣከፋፋሊኣ ፈርናንዲኖ ብመጉዳእቲ ናይ ምስላፍ ተኽእሎ ፍርቂ ፍርቂ ምህላዉ ተሓቢሩ፣ እቲ ተጻዋታይ ዝሓለፈ ሳልስቲ ጋንታኡ ንባርሴሎና ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ብዝገጠሞ ማህሰይቲ እዩ ምስላፉ ኣጠራጣሪ ዝኾነ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ዌስት ብሮም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኣብ መንበር ተቐየርቲ ተጻወትቲ ዝነበሩ ኬቨን ደ ብራይንን ቪንሰንት ኮምፓኒን ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ምስ ቀዳሞት 11 ክስለፉ ትጽቢት ኣሎ፣

ቱረ፡ ‘ኢዱ ሂቡ’

ደረጃ ክለባት ውድድር ፕሪመር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ

ደ. ጋን. ጸ ጸ.ሸ ነጥቢ1 ማን ሲቲ10 15 232 ኣርሰናል 10 13 233 ሊቨርፑል10 11 234 ቸልሲ 10 12 225 ቶተንሃም 10 9 206 ኤቨርተን 10 7 187 ዋትፎርድ 10 1 158 ማን ዩናይትድ 10 1 159 ሳ.ሃምፕተን 10 1 1310 ቦርንማውዝ 10 -2 1211 ሌስተር 10 -4 1212 ስቶክ 10 -5 1213 ክሪ. ፓላስ 10 -2 1114 በርንለይ 10 -5 1115 ሚድልስቦሮ 10 -2 1016 ዌስትብሮም 10 -4 1017 ዌስትሃም 10 -9 1018 ሃል 10 -15 719 ስዋንሲ 10 -9 520 ሳንደርላንድ 10 -13 2

ቱረ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ሓንሳብ ጥራይ ተሰሊፉ፣ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፕለይኦፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣንጻር ስትዋቡካረስት፣

“ናይ ምሕዝነት ጸወታ ነካይድ ዝነበርና ኢና መሲልና” ሞሪኖ

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሆሴ ሞሪኖ ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ናብ ከተማ ኢስታንቡል ተጓዒዙ ምስ ፈነርባቸ ኣብ ዘካየዶ ግጥም ዩሮፓ ሊግ፡ ጠንቂ ስዕረት ጋንታኡ ተጻወትቱ ምዃኖም ገሊጹ፣ኣብቲ ግጥም ማን ዩናይትድ ጸወታ

ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ውሽጢ 65 ካልኢት ኣጥቃዒ ፈነርባች ሙሳ ሶው ብኣክሮባታዊ ምንቅስቓስ ዘመዝገባ ሸቶ ንሞሪኖ ቁጥዐኡ ሰማይ ከምዝዓርግ እያ ገይራቶ፣ ጸወታ ፍርቂ ሰዓት ምስ ተላዕሎ ድማ ካልእ

ንሞሪኖ መንጸሮር ርእሲ ዘትሓዘ ክስተት እዩ ተፈጺሙ - ‘ዝኸበረ ተጻዋታይ ዓለም’ ፖል ፖግባ እናሓንከሰ ካብ ሜዳ ብምውጽኡ፣ እቲ ተጻዋታይ ሰንበት ጋንታኡ ናብ ሜዳ ስዋንሲ ተጓዒዛ ኣብ እተካይዶ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ናይ ምህላው ተኽእሎኡ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ እውን እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፣“ክዕወቱ ዝግብኦም ጋንታ እዮም፣ ኵዕሶ

እግሪ ክእለት ናይ ዘለዎ ስፖርት ጥራይ ኣይኮነን - እንታይ ደኣ ናይ ዝጸዓረን ብምሉእ ወኒ ናይ ዝሰርሐን እዩ፣ ፈነርባች፡ ጸወታኣ ናይ ፍጻመ ግጥም እዩ ዝመስል ነይሩ፣ ንሕና ድማ ብኣንጻሩ ፍኹስ ዝበለ

ናይ ምሕዝነት ግጥም ነካይድ ዘለና ኢና መሲልና” ክብል ሞሪኖ ንድኹም ብቕዓት ጋንታኡ ነቒፉ፣ቅድሚ እቲ ግጥም ሞሪኖ ንጋንታኡ

ኣብ ኦልድትራፎርድ ዘመዝገብዎ ናይ 4ብ1 ዓወት ከየዛንዮምን ፈነርባች ኣብ ሜዳኣ ቀላል ኮይና ከምዘይረኽብዋን ኣጠንቂቕዎም ምንባሩ እውን ወሲኹ ሓቢሩ፣“ክለባት ቱርኪ ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጠን፣

ምኽንያቱ፡ ምስ ሪያል ማድሪድን ቸልሲን ከክልተ ግዜ ምስ ፖርቶ ኮይነ እውን ሓንሳብ ገጢመየን እየ፣ ዋላ ኣብ ሜዳኻ ብቐሊል 3ብ0 ወይ 4ብ0 ተዓወት ኣብ ሜዳአን ግና ብኣንጻሩ ኮይነን እየን ዝጸንሓኻ” ክብል እቲ ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ ይውስኽ፣ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ፈነርባች ካብ ጀረመይን

ለንስ ብዝረኸበታ ሸቶ ንመሪሕነታ ናብ 2ብ0 ክብ እኳ እንተ’በለቶ፡ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ናይቲ ጸወታ ዋይን ሩኒ ንጋንታኡ ካብ ናይ ባዶ ስዕረት እተገላግል ሸቶ ኣመዝገበ፣ ጸወታ ድማ ብዓወት ፈነርባቸ 2ብ1 ተዛዚሙ፣ ሩኒ በታ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ሻምፕዮንስ

ሊግ ንዘቑጸሮም ብዝሒ ሸቶታት ናብ 37 ክብ ብምባል ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ጋንታ ብሩድ ቫን ኒስተልሮይ ተታሒዙ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ክመዓራረዮ በቒዑ ኣሎ፣

ሃይለ ዳንኤል

ኤሪተልመሪሕነታ ዓቂባ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝእንገድ ዘሎ መበል 29 ውድድር ብሽክለታ ቱር ደ ፋሶ ትሳተፍ ዘላ ክለብ ኤሪተል፡ ብጋንታ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅልስ መሪሕነታ ኣደልዲላ፣ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻሙናይ መድረኽ

ድሕሪ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ኤሪተል ንክለብ ደ ላ ደፈንሰ ናይ ፈረንሳ፡ ናይ ደቒቕን 10 ካልኢትን ጋግ ብምንጻፍ መሪሕነታ ዓቂባ፣ ኣብቲ ካብ ቦቦ ተበጊሱ ኣብ ደጉጉ ኣብ ዝተፈጸመ ናይ 167 ኪሎሜተር ናይ ትማሊ ውድድር፡ ኣልጀርያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣል ማራከብ - ሰይዲ ናሲም ነታ ልዕሊ 30 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት መራሒትን ዓባይን ጉጅለ ብቕጽበታዊ ውድድር በሊጹ ተዓዋቲ ናይቲ መድረኽ ክኸውን እንከሎ፡ ኣባል ክለብ ኤሪተል ዘመንፈስ ሰለሙን ከምኡ ድማ ኣይቮርያዊ ባሲሩ ኮንተ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም፣ዮናታን ሃይሉን ሜሮን ኣብርሃምን ራብዓይን

ሓሙሻይን ብምውጻእ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ክስርዑ እንከለው፡ ድሕሪ 20 ካልኢት መዛዘሚ ሕንጻጽ ካብ ዝረገጹ ድማ ዳዊት ሃይለን በረኸት የማነን መበል 35ን 36ን ደረጃ ብተኸታታሊ ሒዞም፣ ድሕሪ ትሸዓተ ደቒቕን 19 ካልኢትን

ንጸወታኡ ዝፈጸመ ክብሮም መሓሪ መበል 56 ኮይኑ፣ዛጊት ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ሸሞንተ መድረኻት፡

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ሃሮና ብግዜ መሪሕነት ብምሓዝ፡ ነታ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ኣብ ዝባኑ ዓቂብዋ ኣሎ፣ ፈረንሳዊ ቪንሰት ብኽልተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ዘመንፈስ ድማ ብደቒቕን ሰለስተ ካልኢትን ተበሊጹ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ፣

ኣልጀርያዊ ናሲም ብ158 ነጥቢ ክመርሕ እንከሎ፡ ዘመንፈስ ብ153፡ ዮናታን ድማ ብ148 ነጥቢ ይስዕብዎ፣ብዩሲኣይ ናይ 2.2 ደረጃ ዘለዎን ን12

ጋንታታት ብሽክለታ ኣብ ውድድር ጸሚዱ ዝርከብን ቱር ደ ፋሶ፡ ሎሚ ካብ ዶዶጉ ነቒሉ ኣብ ኮዱጉ ብዝበጽሕ ናይ 145 ኪሎሜተር ውድድር ክቕጽል እዩ፣

** ** **

ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ግጥም ‘ደርቢ ለንደን’ ጋንታታት ኣርሰናልን ቶተንሃምን፡ ኣብ ሜዳኣ ኢማራትስ

እትጻወትን ምስ መራሒት ማን ሲቲ ብነጥቢ ተመዓራርያ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘትን ኣርሰናል ተጻዋታያ ሄክቶር በለሪን ቅሩብ ምህላዉ ኣፍሊጣ፣ እንተ ቲዮ ዋልኮት ግን ምስላፉ ፍርቂ ፍርቂ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፣ ብተመሳሳሊ ሞንሩያል፡ ጊብስን ካርዞላን ምስላፎም ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርጉጽ ከምዘይኮነ ዝሓበረት ኣርሰናል፡ ሻካ ግና ናይ ሰለስተ ጸወታታት መቕጻዕቲ ዛዚሙ ነዚ ግጥም ድልዊ ምህላዉ ኣረጋጊጻ፣ካብ 10 ጸወታታት 20 ነጥቢ

ብምውህላል ሓሙሻይ ደረጃ እትርከብ ቶተንሃም፡ ወሳኒ ኣጥቃዒኣ ሃሪ ኬን ናብ ልምምድ ምምላሱ ትሕብር፣ ንሱ ዋላ’ኳ ናብ ልምምድ ምምላሱ ንቶተንሃም ተስፋ እንተኾነ፡ ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ግጥም ናይ ምስላፉ ተኽልሎ ኣዝዩ ትሑት ምህላዉ ይግለጽ፣ሲሶኮ ብመቕጻዕቲ፡ በን ዳቪስን

ኣልደርዊርድን ድማ ብማህሰይቲ ኣብዚ ግጥም ዘይህልዉ እዮም፣

** ** **

Page 10: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 10መበል 26 ዓመት ቁ.57

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል ኣስመራለጢፋ መሓመድጅምዕ ኢድሪስኖር፡ ስም ኣደይ

በኺታ ሳልሕ ምባል ተሪፉ፡ ፈረጃ ዓብደላ መሓመድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/11/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወጋሕታ ተኽለማርያም ምሕረትኣብ፡ ስም ወላዲተይ ለተጊዮርጊስ ምሕረትኣብ ምባል ተሪፉ፡ ገርግስ ምሕረትኣብ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/11/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ርግኣት ሃብተ ገብረመስቀል ምባል ተሪፉ፡ ርግኣት ናብተ ገብረመስቀል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ መለይ ዝዋብ ሃይለ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ኣረፋይነ ሰለሙን ዓንደ ኣብ ወርሒ 4/2014 ንሱዳን ምስ ከደ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ስለዘይብለይ፡ ናይ ጥፉእ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያኣቶ ፋንኤል ኣለም ሰጊድ፡ ወላዲትና ኣልጋነሽ ኣለም

ወልደገርግሽ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራከሳሲት ወ/ሮ ውነሽ ከበደ ማና፡ ተኸሳሲ ሚስተር ሂሪስ

ኦፋሊ ንወኪሉ ወ/ት ኤደን ብወኪላ ኣቶ ዘካርያስ ኪዳነ ወልደገርግሽ ንዓይ መኪና ናይ ገዛ ዓይነታ ፊያት ኡኖ ስርሓት ኢታሊ ቁ/ሰሌዳ ER-1-21153 ቁ/ቻሲ ZFA 146000*06596242 ብዕለት 9/5/2015 ዝሸጡለይ፡ ተኸሳሲ ኣብ ስመይ ከየመሓላለፈ ብኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ዘየለወሉ ናብ ስመይ ክትመሓላለፍ ክጸድቀለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ

ከሳሲት ወ/ሮ ሰላማዊት ኪዳነ ካሕሳይ፡ ናይ ሕጊ በዓል ቤተይ ኣቶ ክፍሎም ገብረስላሰ ብርሃነ ንወጻኢ ሃገር ኢሉ ምስ ከደ ደሃይ ስለዘይብሉ፡ ተኸሳሲ ብኣካል ወይ ብወኪሉ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ተኸሳሲ ምስ ዘይቀርብ ቤ/ፍ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራትከሳሲት ወ/ሮ ሸዊት ሓይለኣብ ገብረመስቀል፡

ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ዮውሃንስ እዮብ ዮሴፍ፡ ን3 ዓመት ደሃይ ስለዘይብሉ፡ ተኸሳሲ ተጸዊዑ ጉዳይና ናብ ቤተ ዘመድ ሽማግለ ክምርሓለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ኣቶ ዮውሃንስ እዮብ ዮሴፍ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ክረአ እዩ።

ወ/ሮ እንድርያስ ተኽለ ገብረመስቀል በዓል ቤተይ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረ ዘሞ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ዑቕባ ዳኘው ተስፋጋብር፡ በዓል ቤተይ ዶክተር ዓንዶም ዑቕባማርያም ዘርአ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳኣብ መንጎ ከሳሲ ንግዳዊ ቀይሕ ባሕሪ (09)ን

ተኸሳሲ ኣቶ መኮነን ሃብታይን ዘሎ ክርክር፡ ተኸሳሲ ኣቶ መኮነን ሃብታይ ብኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይተኻእለ፡ ን16/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ግን ንሱ ኣብ ዘይብሉ ውሳነ ክወሃብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ወ/ሮ ትምኒት ሞጎስ ሃይለ፡ በዓል ቤተይ ሳምኤል ሳህለ ጉብሳ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ዳንኤል ዘርአ ወልዱ፡ ኣደይ ትምኒት ከበደ ገብረሂወት ስለዝሞተት፡ ኣነ በይነይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ትብለጽ ከበዶም ወልደሚካኤል፡ በዓል ቤተይ መንግስ ከበዶም ተኽልዝጊ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ሃብትኣብ ንኣምን ዑቕባትንስኤ፡ ወለደይ ንኣምን ዑቕባትንሳኤን ምዕራፍ ዮሴፍ ሰሎሙንን ስለዝሞቱ፡ ኣነ በይነይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣኽበረት ተኽለ ክብርኣብ፡ ኣደና መኣዛ ወልደማርያም ገብረሂወት ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሄለን ዘርአ ሰሎሙን፡ ወለድና ዘርአ ሰሎሙን ወልዱን ሳቤላ ኣርኣያ መድህንን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ጀርጆ ፍትዊ ካሕሳይ፡ ኣቦና ፍትዊ ካሕሳይ ስብሃቱ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሰግዶ

ኣቶ ጳውሎስ መስፍን ተስፋማርያም፡ ወላዲትና ጽገ ቀሺ ገብረኣብ ቀሺ መስመር ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይን 2 ተተካእቲ ደቂ ሓፍተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡

ን6/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲ ኣቶ ኢሰያስ ተስፋሚካኤል ኣስፍሃ፡ ተኸሳሲ ኣማኑኤል ወልደገብርኤል ያቆብ ብመንገዲ ወኪሉ ሳምራዊት ወልደገብርኤል ያቆብ ዝሸጡለይ ናይ ገዛ መኪና ቶዮታ ስርሓት ጃፓን ቁ/ሰሌዳ ER-1-15526 ቁጽሪ ቻሲ JTILOE 9007001567 ዝተመዝገበት መኪና፡ ተኸሳሲ ኮነ ወኪሉ ገንዘብ ብምሉኡ ተቐቢሎም መኪና ምስ ዋንነት ደብተር ምስ ኣረከቡኒ፡ ምትሕልላፍ ስለዘይፈጸሙለይ ደሃይ ውን ስለዘጥፍኡለይ፡ ን1/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረቡ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ኣበይቶወ/ሮ ንግስቲ ተወልደብርሃን ኪዳነ፡ ኣደና ጸሃይቱ

በራኺ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ምስ ተተካእቲ 2 ኣሕዋተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳዕሮ ጳውሎስ

ወ/ሮ እልልታ ኪዳነ ወልደኣብ፡ በዓል ቤተይ ርእሶም ኣብራይ ተኽለ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጸዓዘጋወ/ሮ ንግስቲ ሃብተገርግሽ፡ በዓል ቤተይ ገብራይ በየነ

ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 11 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ ገብረእግዝኣብሄር ዓንደ፡ በዓልቲ ቤተይ መዓሾ ገረኣምላኽ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረንለተሃይማኖት በኺት መሓመድ፡ ስም ወላዲተይ

ስርሓት ገንደር መስመር ምባል ተሪፉ፡ ብርኽቲ ገንደር መስመር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/11/16 ኣብ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ፈረጃ ኢብራሂም ዓብደላ፡ ስም ወላዲተይ ከዲጃ እድሪስ ተኩሩራይ ምባል ተሪፉ፡ ዓፌት እድሪስ ተኩሩራይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወሊድ ባበክር ዑመር ብወኪሉ መልኣከ ተወልደ ኣቢሉ፡ ወሊድ ባበክር ዑመር ዓብደላ ምባል ተሪፉ፡ ተማኖ ተስፋኣብ ክፍለ ሓሰበነቢ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ከድጃ ኢብራሂም ሳልሕ፡ ስም ወላዲተይ ዓፌት መሓመድ ተክሌስ ምባል ተሪፉ፡ ፈታይል መሓመድ ተክሌስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 01,03

ፍስሃጼን ኣንከረ ጅምዕ፡ ሓወይ ኣባ ፍስሃ ኣንከረ ጅምዕ ስለዝሞተ፡ ንሕና 6 ኣሕዋቱ ጥራይ ኣብ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ውዳሴ መብራህቱ፡ በዓል ቤተይ ሹማይ ገብረሂወት ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ዮርዳኖስ ቡሉ ሚካኤል፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ዮውሃንስ ታመነው ሰለሙን ካብ ሃገር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ስለዝኸደ እንተሎ ብኣካል ወይ ብወኪሉ ተጸዊዑ ን30/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሓወሻ

ወ/ሮ ሳባ ሃብቱ ገብረሚካኤል፡ በዓል ቤተይ ተስፋኣለም ዮውሃንስ ገብረእየሱስ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ዕንባባ በራኺ ተስፋዝጊ፡ ዓባየይ ኣመተ ወልደማርያም ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይን 2 ሓትነታተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ደቀምሓረኣቶ ተኽለ ደበሳይ ዑቕበ፡ ሓወይ መሓሪ ደበሳይ

ዑቕበ ክሳብ ወርሒ 2/2000 ዓ/ም ደሃይ ስለዘይብሉ፡

ናይ ጥፉእ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

መንደፈራኣቶ ተስፋስላሴ ገብረዮናስ ተኽለ ምባል ተሪፉ፡

ፍናን ገብረዮናስ ተኽለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/11/16 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ መንሱር መሓመድ ኣማን ኑሩ፡ ስም ኣደይ ስዒዳ ያሲን ምባል ተሪፉ፡ ውባ ዓብደላ ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/16 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ ለኣከ ተወልደመድህን ካሳ፡ ወደይ ኣቶ ተስፎም ለኣከ ገብረመድህን ብዕለት 29/3/2011 ብቁ/መዝ 3157 (11) cGE ኣብ ቅድሚ ጠቕላሊ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን (ጁባ) ዝሃበኒ ውክልና ስልጣን ይፍረሰለይ ስለዝበሉ፣ ተጸዋዒ ኣቶ ተስፎም ለኣከ፡ ን16/11/16 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ጉዳይካ ንስኻ ኣብ ዘይብሉ ተራእዩ ውሳነ ክወሃበሉ ከምዝኾነ ንሕብር።

ዓዲ ቐይሕወ/ሮ በለጸት ገብረኺዳን ንጉሰ፡ ናይ ሕጊ በዓል

ቤተይ ኣቶ ፍጹም መሓሪ መብራህቱ ስለዝጠፍአ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ድባርዋወ/ሮ ወጋሕታ ኪ/ማርያም፡ በዓል ቤተይ ሃብተ

ዑ/ጋብር ናይዝጊ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

መም/ሓዳስ ተወልደ ባርያጋብር፡ ወላዲትና ወ/ሮ መብራት ሃብተማርያም ገብረስላሴ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ርሻን ገብረሂወት ገብረሚካኤል፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ከሰተ ኢያኣብ ዓንደማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 1 ጓልና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወራሲት ምዃና ይረጋገጸላ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ወ/ሮ ዴሳዊት ተወልደ ገብርየ፡ ኣቦና ተወልደ ገብርየ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ቐይሕ

ከሳሲት ወ/ሮ ኣልጋነሽ ግርማይ ቀላቲ ምስ ተኸሳሲ ኣቶ ዮውሃንስ ፍስሃጽዮን ስባህቱ ብሕጋዊ መዳይ ተዋሲብና 2 ቆልዑ ወሊድና። ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ን9 ዓመት ደሃይ ስለዘይብሉ። ሕጋዊ ዝኾነ ፍትሕ ብመንገዲ ሕጊ ክፍጸመለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ተጸዊዑ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን24/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይካ ኣብ ዘየለኻሉ ቤ/ፍ ክሪኦ ምዃኑ ነፍልጥ።

ከሳሲት ወ/ሮ ሳምራዊት ሃይለ መኮነን፡ ምስ ናይ ሕጊ በዓል ቤተይ ተኸሳሲ ኣቶ ዳኒኤል ዘውደ ተሰማ ብሕጋዊ መዳይ ተዋሲብና 1 ቆሎዓ ወሊድና። ካብ ወርሒ 1/2012 ዓ/ም ኣትሒዙ ደሃይ ስለዘይብሉ። ስለዚ ተጸዊዑ ሕጋዊ ፍትሕ ክፍጽመለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ ኣቶ ዳኒኤል ዘውደ ተሰማ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ፡ ን24/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይ ኣብ ዘየለኻሉ ቤ/ፍ ክሪኦ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ድቢ ንኡስ ዞባ ጸሮና

ወ/ሮ ሰናይት ኣትክልቲ ተኪኤ፡ ምስ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ መብራህቶም ከልካይ ብርሃነ ብሕጋዊ መንገዲ ቃልኪዳን ኣብ 2007 ዓ/ም ተመርዒና 1 ቆልዓ ወሊድና። ተኸሳሲ ካብ 7/2013 ዝኾነ ደሃይ ስለዘይብሉ፡ ቃልኪዳን ከውርደለይ ስለዝበላ፣ ተኸሳሲ መብራህቶም ከልካይ ብርሃነ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል፡ ን12/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስ ዘይቀርብ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ወቐርቲወ/ሮ ቅድስቲ ገብርኣብ ኣርዓዶም፡ በዓል ቤተይ

ኢሳቕ መኮነን ገብረኣምላኽ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/12/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሓውሲ ከተማ እምኒ ሓይሊ

ኣቶ በየነ ዳገት፡ ወዲ ወደይ ህያብ ሙሉጌታ በየነ ዝተባህለ ካብ ኣደኡ ፍረወይኒ ገ/ልዑል ገ/ንድርያስ ዝተወልደ ኮይኑ፡ ንኣዲኡ ኣደኣ (ዓባዩ) ወ/ሮ ብርኽቲ ኣርኣያ ዝተባህለት ሞግዚት ኮይና ከተዕብዮ ክፍቀደለይ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/11/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣቑርደት 03

ኣቶ ማእከለ ተኽልሓንስ ተስፋዝጊ፡ ወላዲትና ለተንኪኤል ጎበዜ ደበሳይ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/11/16 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

Page 11: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 11መበል 26 ዓመት ቁ.57

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company PLC is inviting interested applicants for the following position. Human ResouRce officeR

Number Required – One

TASK DESCRIPTION

RecruitmentEnsureo that the recruitment of expats are in line with the current policy and procedure.Compileo all applications received to line manager.Followo -up on shortlisted candidates and arrange for interviews.Prepareo recruitment matrix of candidates interviewed.Ensureo that reference check is done for successful candidate.Informo successful candidate and write a letter of intent.Ensureo that pre-check procedures are followed.Provideo the successful candidate with a contract of employment.Requesto a business / employment visa for employees and contractors.Flighto bookings and hotel reservations for new employees.Prepareo site entry and induction booking and follow up until completion.Too process the site entry, induction booking, flights, visas for HR visitors contractors.Followo up and review of expat performance evaluations for completion.Communicateo with potential expat candidates/new employees over phone/email.

Reports and Administration related dutiesUpdateo expat recruitment tracker on a daily basis.Submissiono of daily activities to the HR Supervisor, HR Superintendent, HR Manager – expat related activitiesCaptureo new expats in Medical Insurance database.Removeo terminated expats from the Medical Insurance database.Monthlyo reconciliation of Expat and Medical Insurance employee list.Provideo input on expat documentation for processing to Payroll.Reviewo the leave request in line with the roster.Followo -up and review acting appointments in line with policy and procedure.Attendo a daily HR meeting and provide feedback on area of responsibility.

Contracts of Expatriate EmployeesInformo departments 4 months in advance on expat contract or permit expiring.Prepareo a contract renewal request and submit to relevant department HOD for review and approval.Arrangeo review committee meetings to review renewal requests 3 months prior to expiry date.Drafto contract renewals and update contracts based on approvals and outcomes of review committee meetings.

TerminationFacilitateo and process expat terminations.Ensureo that exit interview, termination form, site clearance is signed off by line manager.Generateo a termination letter and issue to employee.Informo Payroll of termination in advance.

KNOWLEDGE, EXPERIENCE AND SKILLS

Qualifications:

Diploma/Degree in Business Management•Diploma/Degree in Human Resources or related field•

Knowledge and Experience:

3 - 5 Years Human Resources generalist experience•Previous experience working with expatriates will be an advantage•Excellent proficiency in English - Speak, read and write•

Technical Skills Behavioural Skills

Computer Literacy (MS Office – •Intermediate)

Communication •(English and local language)

Proficient in Expat Medical Insurance System• Assertiveness•Attention to detail• Interpersonal •

RelationsKnowledge of Policies, Procedures and •Processes

Ability to meet •deadlines

Expat legislation knowledge and procedures• Accuracy•Addressing Expat HR issues / concerns• Confidentiality•Business Communication skills• Integrity•Knowledge of current legislation local and •international

Ability to work •under pressure

Administrative skill•Report writing skills•

General Information and other requirements:Place• of Work: Bisha.Salary• : As per Company salary scale.Type• of contract Indefinite Period

Additional requirement for Nationals: Having• fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present• clearance paper from current/last employer.Testimonial• documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only• shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview.Application• documents will not be returned to sender.All• applications should be sent through the post office.Deadline• for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.

Address• : Please mail your applications to; Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

Note• to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Aliens Employment Permit Affairs, P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea.

Notice

Notice is hereby given that Azmara Central Refreshment PLC has conducted its extra ordinary meeting on 26/10/2016. The shareholders, who represent more than ¾ of the capital of the company, have resolved that Mrs. Almaz Yohannes Gebregiorgis, is appointed as a new manager for unlimited period of time.

Azmara Central Refreshment PLC

NOTICE

Notice is hereby given to the public that “KERTA Private Limited Company” has been formed among the following members.

ShareholdersA)

S/N NAME NATIONALITY ADDRESS SHARES VALUE OF SHARES

1 Edaga Hamus Administration Zone Eritrean Asmara 99 9,900,000

2 Mr. Kiflay Negash Zomo Eritrean Asmara 1 100,000

TOTAL 1001 0 ,000,000

The head office of the company will be in Asmara and branch offices may be B) opened anywhere within and outside Eritrea.

The total fully paid up capital, in cash and in kind, of the company is Nakfa ten C) million (10,000,000.00) divided in to one hundred (100) shares of par value of Nakfa one hundred thousand (100,000.00) each.

The business purposes of the company shall be:D)

Overall ObjectivesA)

To engage in the provision of green area recreation services, wedding services, children playground

To engage in the business of fast food, juice , pizzeria,

To engage in the provision of wifi internet services.

For and the effective realization of its business objectives, the company is empowered B) to:-

To establish fast food, breakfast, pizzeria, juice, shower and toilet services; and other businesses necessary for the achievement of the company objectives

Mr. Kiflay Negash Zomo is appointed as the general manager for unlimited E) period of time.

The period for which the company is established is unlimited.F)

KERTA PRIVATE LIMITED COMPANY

ኬርታ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕታዊ ማሕበር

ምልክታብስም ጽገሂወት ቃለኣብ ተስፋዝጊ፡ ዝተመዝገበ ቁ/ፍቓድ ዋኒን AsL00027806

ዝኾነ ኣብ ዞባ፥ ማእከል ንኡስ ዞባ፥ ማይተመናይ ጎደና፥ ዓዲኣበይቶ ቁ/ገዛ፥ 309 ዝርከብ ናይ ቤት መግቢ ትካለይ ንወ/ሮ ሰላም ሃይለ ኢሳቕ ካብ ዕለት፥ 06/01/2016 ክሳብ ፥ዕለት 06/01/2017 ኣካርየዮ ስለዘለኹ፡ ዝቓወም ኣካል ምስዝህሉ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስልጣን ንቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጽመሉ ነፍልጥ።

ጽገሂወት ቃለኣብ ተስፋዝጊ

ኣብ ዞባ፥ ማእከል ንኡስ ዞባ፥ ማእከል ከተማ ጎደና፥176-14 ቁጽሪ ገዛ፥ 2 ቁጽሪ ፍቓድ ዋኒን፥ AsL0001198 ብስም፥ ወ/ሮ ዘውዲ ስብሃትልኣብ ገ/ትንሳኤ ዝተመዝገበ ናይ ቤት መስተ ትካለይ ንኣቶ ነጋሲ ቢቶው ወልዱ ብመሸጣ ሂበዮ ኣለኹ። ብስም ሸያጢት ዝኽፈሎ ዕዳ ኣለኒ፡ ወይ ይግባኣኒ እዩ ዝብል ኣካል እንተድኣ ሃልዩ፡ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ክሳብ 30 መዓልቲ ስልጣን ንዘለዎ ቤት ፍርዲ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ ናብ ስም ዓዳጊ ተረካቢ ከምነማሓላልፎ ነፍልጥ።

ወ/ሮ ዘውዲ ስብሃትልኣብ ገብረትንሳኤ

Page 12: ኣብ ጣዕረሺ ‘ኮማዊ ፕሮጀክት ጽሬት’ ተተግቢሩ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_05112016.pdfማርኮስ፡ The Future Of The Brain: Essays By The

ሓዳስ ኤርትራ 5 ሕዳር 2016 - ገጽ 12መበል 26 ዓመት ቁ.57

ቁጽሪ

ትሕዝቶ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ዛንታ፡ ‘ኣብታ መስተንክራዊት ዓለም’ ኣሊስ ድሌታ ብዘይምርካባ ከም ዝበኸየት’ዩ ዝገልጽ ነይሩ። ሎሚኸ እንታይ ኰን ይስዕብ ይኸውን? ራብዓይ ክፋል ይቕጽል፦ኣሊስን እታ ኣንጭዋን ናብቲ

ደንደስ ከይደን። ኣብኡ ኮይነን ከኣ ነቶም ኣብቲ ቀላይ፡ ኣብ ከባቢአን ዝነበሩ ፍጡራት ቀው ኢለን ይዕዘባ ነበራ። ካብ’ቲ ማይ ምስ ወጽኣ ከመይ

ገይረን ይነቕጻ ኣተሓሳሰበን። መብዛሕትኦም እቶም እንስሳታት በብሓደ ካብቲ ቀላይ ናብቲ ደንደስ ወጺኦም። ድሕሪ ቁርብ ግዜ ግን፡ ኣሊስ ንገዛእ ነብሳ ምስቶም ኩሎም እንስሳታት ከም ድላያ ክትዘራረብ ረኸበታ። በቃ ከምዚ

ናይ ነዊሕ ዓ መ ታ ት ሌላ ዘለዋ መሰለት። ኣብ መወዳእታ እታ ኣንጭዋ “ኩሉኹም ኮፍ በሉ። ንኹላትኩም ካብዚ ጠልቂኹሞ ዘለኹም ከንቅጸኩም’የ፡” በለቶም። እቶም እንስሳታት ከምቲ ዝተባህሎም

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትሃብቶም ኢዮብ

ቀዳም ስለዝነበረ ዘቢብን ዘቢባን ኮፍ ኢለን የዕላል ነበራ። ኣቶ ኢብራሂም ብግዳም ጸኒሑ ገዛ ምስ ኣተወ -“ከመይ ኣርፊድክን እዘን ደቀይ፡”

ሓተተን ገጹ ኣብሪሁ።“ጽቡቕ ኣለና፡” በላ ብሓባር።“ንስኻኸ ከመይ ቀኒኻ ባባ

ኢብራሂም?” ኣስዓበት ዘቢብ።“ግርም ኣለኹ ዘቢብ ጓለይ።

ከተጽንዒዶ ድኣ መጺእኪ?”“ከጽንዕ ኣይኰንኩን መጺአ

ክጻወት’የ፡” መለሰት ዘቢብ።“ምጽዋት ይሓይሽ ኢልኪ፡” “ኣነን ዘቢባን ሎሚ መዓልቲ ናይ

ምሸት ኢና መጽናዕቲ መዲብና ዘለና።”“ኤኮ! ኣናብስ እዘን ደቀይ፡ ንፉዓት

ተመሃሮ ከምዚ ከማኽን ግዚኦም ብመደብ’ዮም ዝጥቀምሉ።”“ባባ ሓንሳእ ዘይተዕልለና፡” በለት

ዘቢባ ጓሉ።“ፍቓድክን እንተዀይኑስ ደስ

እናበለኒ ምሳኽን ከዕልል እደሊ’የ፡” ምስ በለ ሰድያ ስሒቡ ኮፍ በለ። “ብጀካ ብመደብ ምኻድ ካልእከ ንፉዕ ተመሃራይ እንታይ ይገብር?” ሓተተት ዘቢባ። “ግርም መሓዛይ! ኣነን ንስኺን’ሞ

ዘዝመስለና ንመልስ፡ ባባ ኢብራሂም ከኣ ሓሳብ ትውስኸና ወይ ትእርመና፡” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበት ዘቢብ።“ኣነ ንፉዕ ተመሃራይ ዝብሎ፡”

ብምባል ጀመረት ዘቢባ። “ኣነ ንፉዕ ተመሃራይ ክብል እንተዀይነ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ክላሱ ዝርከብ ክኸውን ኣለዎ። ዘብኩር ወይ ዝድንጒ እንተዀይኑ ንፉዕ ኣይኰነን።” “ስለምንታይ’ዩ ተመሃራይ

ከብኩር ዘይብሉ?” ሕጂ’ውን ኣቶ ኢብራሂም።“እንተ’ብኲሩ ይቕጻዕ። ወለድኻ

ጸውዕ ይበሃል፡” መለሰት ዘቢባ።“ካልእከ?” በለ ኢዱ ናብ ዘቢብ

እናኣመልከተ።“ኣውራ ኣውራ ንዕኡ ትምህርቲ

ይሓልፎ። መምህር ክገልጽ ከሎ ስለዘይሰምዐ ኸኣ ከምቲ ንመምህር እናገለጸ ዝሰምዖ ገይሩ ክርድኦ ኣይክእልን። ብሓጺሩስ ካብ ዝወርዶ ቈየቛ ወይ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ዝሓልፎ ትምህርቲ ይኸፍእ፡” ናብ ክልቲኦም ሰሚራ ‘ቊጽሪ

ሓዙለይ’ ትብለኩም ኣላ፥- ሓደ ብሰለስተ

ቚጽርታት ዝቘመ ቊጽሪ ሓዙ- ፍልልይ ናይቲ

ቀዳማይን መወዳእታን ዘለዉ ቊጽርታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት 342 ንውሰድ። ቀዳማይ ቊጽሪ 3 ክኸውን ከሎ እቲ መወዳእታ ድማ 2’ዩ። ፍልልይ ናይዞም ቊጽርታት 1 እዩ። ስለዚ እዚ ቊጽሪ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን። እስከ 345 እቲ እንሕዞ ቊጽሪ ንበሎ። ፍልልይ ናይቶም ክልተ

ኣዕጽምቲስርዓተ-ኣስከሬን ኣካላትና ብኣዕጽምቲ

ዝቘመ ስርዓት’ዩ። ሓፈሻዊ ቅርጺ ናይ ኣካላትና ከኣ የቕውም። ኣስከሬን፡ ምሉእ ኣካላትና ዝጐደሎ ስጋን ደምን ኢልና ክንገጾ’ውን ንኽእል።ኣስከሬን፡ ንከም በዓል ልቢ፡ ሰናቡእ፡

ዓንዲ ሕቖ፡ ካልኦት ኣገደስትን ተነቀፍትን ክፍልታት ኣካላትና ሽፋን ብምዃንን በቲ ዘለዎ ትርን ካብ መጉዳእቲ ይከላኸለሎም። ሓደ እኹል ሰብ 206 ኣዕጽምቲ ኣለዎ። ኣብ ህጻናት ግን ክሳብ 300 ኣቢሉ ይበጽሕ። እዚ ብዝሒ ኣዕጽምቲ ኣብ ነፍሲ- ወከፍ እዝኒ ንዝርከቡ ሽዱሽተ ኣዕጽምቲ (ሰለስተ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ እዝኒ) ከምኡ’ውን ኣብ ክሳድና (ብሸነኽ ቅድሚት) ዝርከብ ዓጽምን ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኰነን። ንሳቶም ኣብ ቊጽሪ እንተ ደኣ ኣትዮም ብዝሒ ዓጽሚ ሓደ እኹል ሰብ 213 ይኸውን። እቶም ዝተረፉ ግን እናዓበዩ ምስ ከዱ እናተላገቡን ናብ ሓደ ዓጽሚ እናዀኑን ይኸዱ። ገለ ካብ ኣዕጽምትና ኣብ ማእከሎም

ከም ናይ ትቦ ወይ ሻምብቆ ሃጓፍ ኣለዎም። ኣብ’ዚ ሃጓፍ እዚ ኸኣ ኣንጉዕ ይርከብ። ዋህዮታትና ኣብዚ ኣንጉዕ ይፈርዩ። ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ቀያሕቲ ዋህዮታት

ቊሊሕ በለት። “ሰይ’ዛ ጓለይ ዋዕሮ! ኣገናዕ!” በለ

ኣቶ ኢብራሂም። “መዓልታዊ ከጽንዕ ይግባእ።

ምኽንያቱ ዘዝተመሃሮ እንተዘይ ኣጽኒዕዎ፡ ደሓር ክበዝሖን ከሀክዮን ይኽእል። ስለዚ ኩሉ ግዜ ከጽንዕ ኣለዎ። ኣይመስለክን መሓዛይ?” በለታ ነታ ጽን ኢላ ትሰምዕ ዝነበረት መሓዝኣ። “ካልእ ኣገዳሲት ነጥቢ ኸኣ

እንታይ ኣላ መስለኩም?” በለት ዘቢባ። ንኽልቲኦም ድሕሪ ምጥማት ከኣ “ዕዮ ገዛ ባዕሉ ክሰርሕ ኣለዎ።”“ንዝፈልጡ ወይ ኣዕሩኽቱኸ

ሓግዙኒ ክብል የብሉን ማለት ድዩ?” በላ ንዘቢባ። ቀጺሉ “ዘቢብከ ኣብዛ ትበሃል ዘላ ሓሳብ እንታይ’ዩ ርእይቶኺ?”“ንስኺ ጀምሪ፡” በለት ዘቢባ

ንመሓዝኣ። ሓደ ክዛረብ እንከሎ እቶም ክልተ ጽን ኢሎም’ዮም ዝሰምዑ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ተርታ ሓልዩ ወይ ብስምምዕ እምበር ካልእ እናተዛረበ ክዀልፍ ከምዘይብሉ ይሰማምዑ’ዮም። “ኣነስ እንተዘይተረዲእዎ ክሓትት

ኣለዎ በሃሊት እየ። ኢሂ ባባ ኢብራሂም?”ኣቶ ኢብራሂም ግን፡ እተን መሓዙት

ሓሳበን ክገልጻ፡ ክትንትና’ምበር ንሱ

ክምዕድ ንሰን ጽን ኢለን ክሰምዓ ኣይብርሆን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሜላ ገይሩ ካብታ ሕቶ ሃደመ። “ዘቢባ “ባዕሉ ክሰርሕ ኣለዎ’

ክትብሊ ከለኺ እንታይ ማለትኪ’ዩ?” በለ ኣቶ ኢብራሂም።“ሓገዝ ክግበረሉ እሰማማዕ’የ።

ግና ሓሳብ እምበር መልሲ ክንገር የብሉን። ንኣብነት ሰለስተ ዝረብሖ ክልተ ትብል ሕቶ እትንተሃልያ፡ ምርባሕ እንታይ ማለት ምዃኑ ክሓትት ኣለዎ። እቲ ዘረድኦ ሰብ ከኣ ሰለስተ ዝረብሖ ክልተ ማለትሲ ንኽልተ ሰለስተ ሳዕ ክድምራ ከለኻ’ዩ ክብሎ’ዩ ዝግባእ’ምበር ሽዱሽተ ኢሉ እታ መልሲ ከም ዘላታ ክነግሮ የብሉን፡” ሓሳባ ቅቡል ምንባሩ ኣብ ገጽ ክልተ እቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዑዋ ዘለዉ ኣቦኣን መሓዝኣን ስለ ዘንበብት ተሓጐሰት። “ብራቮ!” ብምባል ሓፍ ኢላ

ግንባር መሓዝኣ ሰዓመት ዘቢብ። ኣቶ ኢብራሂም “ብሓቂ ግሩም

መልሲ” ኣብ ዝበለሉ ህሞት፡ ተሌፎኑ ድምጺ ጻውዒት ኣስምዐት። ብኣገዳሲ ጉዳይ ከም እተደወለሉ ስለ እተገንዘበ ካብተን መሓዙት ርሕቕ ኢሉ ተቐበላ። ዘቢብን ዘቢባን ብዘይካ “መጻኹ” እትብል ቃል ሓንቲ’ኳ ኣይሰምዓን። “ይቕሬታ ግበራለይ። እዛ ኣርእስቲ

ምስ ተመለስኩ ክንቅጽላ ደስ ምበለኒ። ሕጂ ግን ስለዝተደወለኒ ክኸይድ፡” ኢሉ ተፋነወን። ብድሕሪኡ ንሰን ናብ ካልእ ዕላል ኣተዋ።

ዘቢብ ዘቢባ

ኣካላትና

ደም ኣብዚ ኣንጉዕ ይስርሑ። ዓንዲ ሕቖና ‘እቲ ተሰካም

መላእ ኣካላትና’ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዓጽሚ’ዩ። ዓንዲ ሕቖ ብ33 ኣዕጽምቲ ዝቘመ’ዩ። ኣዕጽምትና ተረርቲ ድኣ

ይኹኑ’ምበር ንምንቅስቓስ ምቹኣት’ዮም። ምኽንያቱ ክዕጸፉ ክዝርግሑ፡ ክንቀሳቐሱ ዘኽእልዎም መላግቦታት ኣለዉ። መላግቦ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝብዝሖም ኣዕጽምቲ ዝላገብሉ ማለት’ዩ። ካብ ኣዕጽምትና ንምንቅስቓስ

ዘይተዓደሉ ኣዕጽምቲ ሽክና ርእሲ’ዮም። ኣብ ሽክና ርእስና 22 ኣዕጽምቲ ኣለዉ።

ከቢቦም ኮፍ በሉ። እታ ኣንጭዋ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ነበረት። ኣሊስ እንታይ ከም ዝስዕብ ክትፈልጥ ኣተኲራ ተመልከተት። ኣሊስ ቀልጢፋ እንተዘይነቒጻ ምስቲ ጠልቅያቶ ዘላ ዛሕሊ ክትወስድን ሰዓል ከም እትሓምምን ኣጸቢቓ ትፈልጥ’ያ። ስለዚ ኸኣ ብኸመይ ከምእትነቅጽ ከተሓሳስባ ግድን’ዩ። እቲ ልዕሊ ኹሉ ዘስደመማ ግን እታ ደቃቕ ፍጥረት ኣንጭዋ ነዞም ኩሎም እንስሳታት ክትእዝዝ ምኽኣላ’ዩ። እታ ኣንጭዋ “ኡፍፍፍ” ብምባል

ቀስ ኢላ ኣዕሚቛ ኣስተንፈሰት።“ተዳሊኹምዶ?......” ኣሊስ

በቲ ትርእዮ ዝነበረት ተገረመት። “እዛ ደቃቕ ኣንጭዋስ ኡፍ ኢላ ዲያ ነዞም ኩሎም ፍ ጡ ራ ት ከተንቅጾም?” ሓሰበት ኣሊስ። ኣ ብ ዛ

እ ን ነ ብ ረ ላ ዓለም ሓሳባት

ኣሊስ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብታ መስተንክራዊት ዓለምከ ይከኣልዶ ይኸውን?” መልሲ ኣብ ዝመጽእ ክፋል።

ዛንታኣብታ መስተንክራዊት ዓለምድርሰት ብልዊስ ካሮል

ራብዓይ ክፋል

ኣብ ጫፍ ዘለዉ ቊጽርታት (ቊጽሪ 3ን ቊጽር 5ን) ክልተ’ዩ። 5 - 3 = 2 2 ካብ 1 ስለ ዝዓቢ ቊጽሪ 345

ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

ሓበሬታ ዛንታ “ኣብ መስተንክራዊት ዓለም” ልቢ ህጻን ኣብ እትብል መጽሓፍ ናይ

ሳሙኤል ካሕሳይን ፍጹም እምሃን “ኣሊስ ኣብ ተኣምራታዊት ዓለም’ ብዝብል ተተርጉማ ኣላ።

- ነዚ ቚጽሪ ማለት 345 ገምጢልኩም ጽሓፍዎ። ስለዚ ኸኣ 543 ክኸውን’ዩ።- ሕጂ ካብቲ ዝዓበየ እቲ ዝነኣሰ

ኣጉድሉ። ካብ 543 ቊጽሪ 345 ኣጉድሉ!!!- ነቲ ኣጉዲልኩም ዝረኸብኩሞ ቁጽሪ

ብርሳስ ኣስምርሉ።- ነቲ ዘስመርኩምሉ ቚጽሪ ቊጽርታቱ

ገማጥልዎም። ነዚ ኸኣ ኣኽብብሉ።- ሕጂ ነቲ ዘስመርኩምሉን ቚጽሪ

ምስቲ ዘኽበብኩምሉ ቚጽሪደምርዎ።- ውጽኢትኩም 1089 እንተዘይኰይኑ፡

ደጊምኩም ፈትኑ!!