12
መበል 23 ዓመት ቁ. 133 11 ጥሪ 2014 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ጋቦን ኣቕኒዓ ገጽ 3 ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ ገጽ 8 በዓል ወጻኢ ገጽ 10 ዘይቱን ገጽ 5 ‘እገለ ሓቲቱኒ፣ ሻሂ ንስተ ኢሉኒ’ እናበለት ሞኽ ኣቢላትኒ 2014 ቀዳም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሚስተር ፔካ ሃቪስቶ ዝተመርሐ ልኡኽ ፊንላንድ፡ ትማሊ 10 ጥሪ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣብቲ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ፊንላንድን ዘሎ ርክባትን ምትሕግጋዝን ዝድልድለሉ መገዲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ብኽልቲኡ ወገን ቅሩብነት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብኽልቲኡ ወገን ቀጻሊ ጻዕሪ ክግበር ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ። ኣብቲ ንዞባዊ ጉዳያት ብቐንዱ ድማ ኣብ ምዕባለታት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዘተኰረ ዛዕባ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንደቡብ ሱዳን ምሕጋዝን ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ንኽትወጽእን ኩሉ ክግበር ዝከኣል ደገፍ ግዜ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ፊንላንድ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ ከይወሰደ ክትግበር ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ብሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሚስተር ፔካ ሃቪስቶ ዝተመርሐ ልኡኽ ፊንላድ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ከምዝዝቲ ተፈሊጡ። ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ነበርቲ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ፡ ብጋንታታት ተወዲቦም ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ብቐንዱ ድማ ማይን ሓመድን ንምዕቃብን ንምስሳንን ብማሽነሪ እናተሓገዙ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ገሊጾም። ወይዘሮ በኺታ ማሕሙድ፡ ወይዘሮ ገነት ካሕሳይ፡ ኣቶ ኢብራሂም ነበርቲ ጊንዳዕ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ክቕጽሉዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ማሕሙድን ወይዘሮ ጸጋ ባህታን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምስ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብምትሕብባር ዕዉት ማእቶታዊ ንጥፈታት የሰላስሉ ከምዘለዉ ጠቒሶም፡ ዛጊት ዘካየድዎ ዕማም ውጽኢታዊ ብምዃኑ፡ ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ንዝበረኸ ዓወት ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ 02 መንእሰይ ሙሳ መሓመድ ብወገኑ፡ነበርቲኣርባዕተምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ ወትሩ ሓሙስ እናወፈሩ፡ ኣብ ምድፋን መራብሒ ጣንጡ ዝኸውን ጎዳጒዲ፡ ጽሬት ከባቢ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ምዕቃብ ሕሩም ሕዛእትን ካልእ ስርሓትን ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ተወሃሂዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ዛጊት ዘሰላሰልዎ ንጥፈታት ዕዉት ብምዃኑ፡ ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ህሉውን መጻእን ወለዶታት ብምዕሩይ ኣገባብ ተጠቀምትን ተረባሕትን ዝኾኑሉ ባይታ ምጥጣሕ ከምዝኾነ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ብ10 ጥሪ ንወከልቲ ህዝቢ ዞባ ማእከል ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ገሊጹ። ከም ሃገርን ህዝብን ወሰንቲ ዕድላትና ክንከውን ከቢድ መስዋእቲ ከምእተኸፍለ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ተስፋይ፡ ደረጃ መነባብሮ ዜጋታት ምምሕያሽን ድሌታትን ባህግታትን “ፖሊሲ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ” ሚኒስተር ተስፋይ

ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

  • Upload
    others

  • View
    45

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

Page 1: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

መበል 23 ዓመት ቁ. 133 11 ጥሪ 2014 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 11

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ጋቦን ኣቕኒዓ

ገጽ 3

ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ

²Ãö 3

ገጽ 8

በዓል ወጻኢ

ገጽ 10ዘይቱን

ገጽ 5‘እገለ ሓቲቱኒ፣ ሻሂ

ንስተ ኢሉኒ’ እናበለት ሞኽ ኣቢላትኒ

2014

ቀዳም

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሚስተር ፔካ ሃቪስቶ ዝተመርሐ ልኡኽ ፊንላንድ፡ ትማሊ 10 ጥሪ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ፊንላንድን ዘሎ ርክባትን ምትሕግጋዝን ዝድልድለሉ መገዲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ብኽልቲኡ ወገን ቅሩብነት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብኽልቲኡ ወገን ቀጻሊ ጻዕሪ ክግበር ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣብቲ ንዞባዊ ጉዳያት ብቐንዱ ድማ ኣብ ምዕባለታት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዘተኰረ ዛዕባ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንደቡብ ሱዳን ምሕጋዝን ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ንኽትወጽእን ኩሉ ክግበር ዝከኣል ደገፍ ግዜ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ፊንላንድ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ከይወሰደ ክትግበር ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ብሚኒስተር ኣህጉራዊ

ምትሕግጋዝ ሚስተር ፔካ ሃቪስቶ ዝተመርሐ ልኡኽ ፊንላድ፡ ኣብ

ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት፡ ምስ ዝተፈላለዩ

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ከምዝዝቲ ተፈሊጡ።

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ነበርቲ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ፡ ብጋንታታት ተወዲቦም ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ብቐንዱ ድማ ማይን ሓመድን ንምዕቃብን ንምስሳንን ብማሽነሪ እናተሓገዙ ዘካይድዎ ዘለዉ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ገሊጾም።ወይዘሮ በኺታ ማሕሙድ፡ ወይዘሮ

ገነት ካሕሳይ፡ ኣቶ ኢብራሂም

ነበርቲ ጊንዳዕ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝለዓለ ክቕጽሉዎ ምዃኖም

ኣረጋጊጾምማሕሙድን ወይዘሮ ጸጋ ባህታን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምስ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብምትሕብባር ዕዉት ማእቶታዊ ንጥፈታት የሰላስሉ ከምዘለዉ ጠቒሶም፡ ዛጊት ዘካየድዎ ዕማም ውጽኢታዊ ብምዃኑ፡ ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ንዝበረኸ ዓወት ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ

02 መንእሰይ ሙሳ መሓመድ

ብወገኑ፡ ነበርቲ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ ወትሩ ሓሙስ እናወፈሩ፡ ኣብ ምድፋን መራብሒ ጣንጡ ዝኸውን ጎዳጒዲ፡ ጽሬት ከባቢ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ምዕቃብ ሕሩም ሕዛእትን ካልእ ስርሓትን ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ተወሃሂዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ዛጊት ዘሰላሰልዎ ንጥፈታት ዕዉት ብምዃኑ፡ ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ህሉውን መጻእን ወለዶታት ብምዕሩይ ኣገባብ ተጠቀምትን ተረባሕትን ዝኾኑሉ ባይታ ምጥጣሕ ከምዝኾነ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ብ10 ጥሪ ንወከልቲ ህዝቢ ዞባ ማእከል

ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ገሊጹ።ከም ሃገርን ህዝብን ወሰንቲ

ዕድላትና ክንከውን ከቢድ መስዋእቲ ከምእተኸፍለ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ተስፋይ፡ ደረጃ መነባብሮ ዜጋታት ምምሕያሽን ድሌታትን ባህግታትን

“ፖሊሲ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ኣብ ግምት

ዘእተወ’ዩ” ሚኒስተር ተስፋይ

Page 2: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ወለዶታት ብዘየጐናድብ ኣገባብ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት ብቐንዱ ድማ ናይ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ምርግጋጽ፡ ናጽነት ዘሰክመና ረዚን ሓላፍነት ምዃኑ ኣብሪሁ።ስትራተጂ ልምዓት መንግስቲ

ኤርትራ፡ ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ዘላቒ ቁጠባዊ ዕቤት ምርግጋጽ ምዃኑ ብምንጻር ድማ፡ ብመንግስትን ውልቅን ዝውጠኑን ዝትግበሩን ልምዓታውን

“ፖሊሲ ምሕደራ ባህርያዊ ጸጋታት፡ . . .” ሚኒስተር ተስፋይ

ኢንዱስትርያውን ፕሮጀክትታት፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ረብሓኦምን ጽልዋኦም ኣብ ኣከባብን ተራእዩ ከምዝውሰኑ ኣረዲኡ።ሚኒስተር ተስፋይ ኣስዒቡ፡ ኣብ

ዝሓለፉ 22 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ምሕደራ መሬት ብዙሕ ዘይቅርዑይ ስርዓተ-ትሕዞ ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ ንዕደላ መሬት ዓንቂጹ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ንተርእዮ ዘይሕጋዊ መሸጣ መሬት ከም

ኣብነት ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምምዕርራይ ድሮ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ተወሲኑ ከምዘሎ ኣነጺሩ።ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ኤርትራ

ኣብ ሓውሲ ደረቕ ከባቢ ስለእትርከብ፡ ኣብ ምሕደራ ማይ ልዑል ጥንቃቐን ንቕሓትን ከምዘድሊ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ተስፋይ፡ ትሕዝቶ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታም ዝሓቶ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ካብ ዘይምፍላጥ ዝካየድ ኢደ-ወነናዊ

ምዂዓት ዒላታት ሃሳይነቱ ልዑል ብምዃኑ፡ ብኣፍልጦ ዝምልከቶ ኣካል ጥራይ ክግበር ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።“ቀረብ ንጹህ ማይ መሰረታዊ መሰል

ዜጋታት ስለዝኾነ፡ ልዑል ኣተኲሮ ተዋሂብዎ ዝተሰርሓሉን ዓቢ ዝላ ዝተመዝገቦን’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ተስፋይ፡ ተጠቃምነት ጽሩይ ማይ ኣብ መላእ ሃገር ብልዕሊ 300 ሚእታዊት ዕቤት ምርኣዩ ውጽኢት ናይዚ ከምዝኾነ ብምምልካት፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዝካየድ ጻዕርታት ቀጻሊ ከምዝኾነ ገሊጹ። ሚኒስተር ተስፋይ ኣብ መወዳእታ፡

ንጹህን ማራኽን ኣከባቢ ንምርግጋጽ ወፍርታት ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ምዕሩይ ተጠቃምነት ንምርግጋጽን ማሕበራዊ ፍትሒ

ንምንጋስን፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት ብዘሰክም መንገዲ፡ ብዉርጹጽ ትካላዊ ምሕደራ ፖሊሲኡ ብኣድማዕነት ከተግብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።ተሳተፍቲ ብግደኦም፡ ንኹነታት ዕደላ

መሬት ጤሳ፡ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ዘይሕጋዊ መሸጣ መሬት፡ ኣተዓዳድላ ናይ ሕርሻ መሬትን ዝግበረሉ ቊጽጽርን፡ ጽሩይ እናተባህለ ተዓሺጉ ዝፈሪ ዘሎ ማይን ኣገባብ ኣተዓዳድላኡን፡ ጽሬቱን ዘይምኽኑይ ዕርገት ዋጋኡን፡ ከምኡ’ውን ንኣሉታዊ ሳዕቤናት ባህላዊ ዕደናን ብውልቀ-ሰባት ዝተሓዝ ዘሎ ሓደገኛ ከሚካላትን ሕርሻዊ መድሃኒታትን ኣብ ኣከባቢ ዝምልከትን ካልእን ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦምን ምላሽ ረኺቦምሉን።

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ በብእዋኑ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት ንብሩህ መጻኢ ወለዶታት ባይታ ዘንጽፉ ስለዝኾኑ፡ ኣበርክቶኦም ክብ ከብሉ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።ኣብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ ዝዋደዱ

ዘለዉ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዝዋደዱ ዘለዉ ናይ መጓዓዝያን መራኸቢታትን መሳለጥያታትን

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ተሳታፍነቶም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ከምዘሕይሉ

ኣረጋጊጾም

ካልኦት ትካላትን፡ ወለዶታት ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮ ንኽመርሑ ዝዓለሙ ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ንምዕዋቶም ብዝለዓለ ውዳበ ከምዝነጥፉ ኣረዲኦም።ኣመሓዳሪ ሓዉሲ ከተማ ሞልቊ

ኣቶ የዕብዮ ከሰተን ኣባል ባይቶ ኣቶ በረኸት ተስፋማርያምን፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምውዳድ ዝካየድ ዘሎ ዕማም፡ ህዝቢ

ተጠቃሚ ናይተን ዝተዋደዳ ትካላት ዝኾነሉ ባይታ ንምፍጣርን ዝተረፉ ሕጽረታት ንምምላእን ኣብ ዝካየድ ስራሕ ብኣድማዕነት ንምስታፍ ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ሓቢሮም።ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ጸጸር

ኣቶ ተኽለ ግርማጼንን ኣካያዲት ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ትኹል ወይዘሮ ዉበት ገብረመድህንን ብወገኖም፡ ኣብ ከባቢኦም ንዘለዋ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልኦትን ዝጎደለን ንምምላእን ጸገማተን ንምቅላልን ዝውሰዱ ተበግሶታት ንምዕዋት፡ ዉዳቤ ህዝቢ ኣብ ምሕያል ክጽዕሩ ምዃኖም ኣብሪሆም።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ኣቶ

ዘርኣይ በርሀ ብግደኡ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዛጊት 5 ትካላት ጥዕና፡ 28 ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘምህራ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን 6 ብሞተረ፡ 4 ብጸሓያዊ ጸዓትን 9 ብድሪልን ዝሰርሓ ፕሮጀክትታት ማይን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣገልግሎተን ኣቋሪጸን ዘለዋ ትካላት ማይ ንምጽጋን፡ ህዝቢ ሱታፌኡ ከዛይድን ንዘለዋኦ ትካላት ብግቡእ ክጥቀመለንን ክከናኸነንን ኣተሓሳሲቡ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዕዳጋ ጥሪት

ቀጽሪ ክግበረሉ፡ ኣብ ንኡስ ዞባኦም ቤት-ፍርዲ ክኽፈት፡ ቀጽሪ ዘይብለን ትካላት ትምህርቲ ቀጽሪ ክግበረለን ዝብሉን ካልኦትን ርእቶታት ኣቕሪቦም።

21 ኣደታት - ነበርቲ ኣርባዕተ ንኡሳን ዞባታት ማእከል፡ ኣብ ኣተኣላልያ ሕሙማት ዓባይ ሰዓልን ምሃብ ቀዳማይ ረዲኤትን ዘተኰረ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ስልጠና፡ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ጎዳይፍ ተኸታቲለን።ኣብቲ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡

ዳይረክተር ኮማዊ ሆስፒታል ጎዳይፍ ነርስ መሓሪ ገብረገርጊስ ኣብ ዘስመዖ ቃል። ተመረቕቲ ቀሲመንኦ ዘለዋ ትምህርቲ ኣብቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ዝተጠርጠሩ ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና ንክኸዱን ሕሙማት መድሃኒት ብግቡእ ከምዝወስዱ ኣብ ምግባርን ክነጥፋ ምዃነን ብምሕባር። ዝቐሰምኦ ትምህርቲ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ተላብዩ።ኣብ ዞባ ማእከል ሓላፊት ምክትታል

ሕማም ዓባይ ሰዓል ሲስተር ናጽነት ገብረሃንስ ብግደኣ። እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ 2008 ብደረጃ ዞባ ማእከል ዝተጀመረ ኮም ዝሰረቱ

ዞባ ማእከል፡ ኣደታት ኣብ ኣተኣላልያ ሕሙማት ዓባይ

ሰዓል ዘተኰረ ስልጠና ቀሲመን

ኣተኣላልያ ሕሙማት ዓባይ ሰዓል ምዃኑ ጠቒሳ። እዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ብምዃኑ። ድሮ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ ተመሳሳሊ ስልጠና ዝወሰዳ 175 ኣደታት ኣብ ትካላት ጥዕናን ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብን ይሰርሓ ከምዘለዋ ገሊጻ።ነቲ ስልጠና ዝሃበ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል

ጎዳይፍ ተኸታታሊ ሕሙማት ዓባይ ሰዓል ተሓጋጋዚ ነርስ ዮናስ ጋይም ከኣ፡ እቲ ስልጠና ብውሽጣዊ ዓቕሚ ናይቲ ኮማዊ ሆስፒታል ዝተኻየደ ምዃኑ ብምብራህ። ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባን ሃማደኤን ምስ ሰልጠንቲ ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ተላብዩ።ቀሲመንኦ ዘለዋ ሞያዊ ትምህርቲ፡

ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብን ስድራ-ቤትን ዝኽሰቱ ሕማማት ኣለሊኻ ናብ ሕክምና ምቕራብ ዝሕግዝ ምዃኑ ዝጠቐሳ ወይዘሮ ከድጃ መሓመድ-ዓሊ። ወይዘሮ ሄለን በርሀን ወይዘሮ ፋጥማ መሓመድን። ብቕንዕናን ተወፋይነትን ክሰርሓሉ ቃል ኣትየን።

Page 3: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 3

ገብሩ ክብረኣብ

ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ ዕራርቦ ነበረ። ብስራሕ ጽሙድ

ስለዝወዓልኩ ድኻም እናተሰምዓኒ’የ ንገዛይ ዘብል ዝነበርኩ። ኣብ ገዛ ኣገዳሲ ጋሻ ስለዝነበረኒ ግን ቅልጥፍ ኢለ ክስጉም ግድን ኰነኒ። ብኡ ምኽንያት ድኻመይ ጸይረ ነቲ ጐደናታት ብትኽ ብትኽ ከብሎ ጀመርኩ። ብቕልቁል ቤተክርስትያን እንዳሚኪኤል ወሪደ ንቤት-ትምህርቲ ባርካ ሓሊፈ ሰጐምኩ። ካብ ሰማያት ዝወርድ ክሊማ ዝሑል ክንሱ ምቹእ ነበረ። ብኸባቢ ሽዳ ክሰግር ከለኹ ነብሱ ከዛኒ ወዛሕ ዝብል ሰብ ብብዝሒ ረኣኹ። ህዉኽ ደኣ ነይረ እምበር ብንጥፈታቶምሲ ቀኒአ’የ። ንሽዳ ንየማነይ ገዲፈ ናብ ሲነማ ክሮቾ ሮሳ ዝወስድ ጽርግያ ሒዘ ተጓዓዝኩ። ንታህዋኸይ ዝስዕር ክስተት ዘጋጠመ እምበኣር ኣብ ከባቢ ሆቴል ሳንሻይን ነበረ።“ክሕግዞ ዶ? . . . ምዃን

ምስዛ ታህዋኸይ ሲ ከደንጉየኒ‘ዩ!’ ተማታእኩ ኣብ ውሽጠይ ነቲ፡ በታ ምችእቲ ከምዘይኰነት ብማዕዶ እትልለ ዓረብያኡ ነቲ ዓቐብ ንምድያብ ዝቃለስ ዝነበረ ስንኩል መንእሰይ ምስ ረኣኹ። ጉዕዞይ ክቕጽል ወሲነ፣ ነብሰይ ግዳ ምግባር ኣበየኒ። ጸኒሐ ብኣዕይንተይ እናተኸታተልኩዎ መገደይ ቀጸልኩ። ዳርጋ ደው ኢሉ’ዩ - ነቲ ዓቀብ ክድይቦ ዓቕሚ ስለዝስኣነ። ሽዑ ሕልናይ ረትዐ። ነቲ ብየማነይ ገዲፈዮ ክሓልፍ ዝተመጣጠርኩ ጽጉም፡ ተመለስኩዎ።“ሰላም ዝሓወይ. . .” ድሕሪ

ምባል መልሱ ከይተጸበኹ ነታ ዓረብያ ብድሕሪት ደፋእኩዋ። “እዋይ! ከሸግረካ እንድየ ደኣ!”

ምቕልል ኢሉ መለሰለይ። ደሃዩ ክትሕግዞ ዘተባብዕ’ዩ።“ናበይ ገጽካ ኢኻ? ክሳብ

ኣበይ ክደፍኣካ?” ሓተትክዎ ንእግረመገደይ እንተዀነ ኢለ።“ዚሓወይ ኣነስ ተሸጊረ’የ ዘለኹ!

ብውሽጠይ ‘ከመይ ኢለ’የ ናብ ሓደ ሕስር ዝበለ ሆቴል ከይደ ዝሓድር’ እናበልኩ ኢኻ መጺኻኒ” ካልእ ዘደንግጽ ቃላት ሰው ኣበለለይ።ብልበይ ክሕግዞ ደለኹ፡ ኩነታት

እቲ ዝጽበየኒ ዝነበረ ጋሻ ግን ሃወጸኒ። ከምዚ ረኺበ እንተበልኩ ብቑዕ ምኽንያት ስለዝመሰለኒ ድማ ንገዛይ ተለፎን ብምድዋል ክድንጒ ምዃነይ (ሃንደበት ስራሕ ከምዝረኸብኩ) ሓበርኩ - ነቲ ጽጉም ናብ ዝደልዮ ከብጽሖ።“ ንሌላ ዝኣክል ጰጥሮስ’የ

ዝበሃል” በልኩዎ። ምስ ወሰንኩ፡ መገዲ ገዛይ ገዲፈ ብባር - ቶሪኖ ኣቢለ፡ ናብ ከባቢ ካተድራል እናወሰድኩዎ - ናይ መወዳእታ መዕረፊና ከባቢ ሜዳ ኤርትራ ምዃኑ’ውን ሓሰብኩ።“ደሓን ዶ ፐተር፡ ኣነ ኸኣ

ኣብርሃም እበሃል” ነታ ትርር ዝበለት ክሳዱ እናወዛወዘ። “ቤተሰብ ገለ ደኣ የለን ድዩ. . ናብ

ሆቴል ክትሓድር?” ሓተትክዎ፡ ውልቃዊ ሕቶ ከይከውን ስክፍ ኢለ።“ካብ ርሑቕ’የ መጺአ . . .

ንኣስመራ ኢለ ዘይኰንኩ ናብ ማይጨሎት እንዳ ኡራኤል። ኣስመራ ካብ ተጸጋዕኩ እግረ መገደይ ሓደ ስራሕ ከሳልጥ ኢለ’የ ኣልጊሰ . . . ናብ ቃሓውታ ከይምለስ ድማ መስዩኒ. . .” መለሰለይ። ምቕሉልን ገርህን ብምዃኑ ተፈተወኒ። ካልእ ሕቶ እንተሓተትክዎ’ውን ክምልሰለይ ምዃኑ ስለዝተገንዘብኩ ሕቶይ ቀጸልኩ። በቲ ግዜ ናብታ ዝሓሰብክዋ ሆቴል በጺሕናስ ኣብ

ኣፍደገኣ ደው ኢልና ነበርና። “እግርኻ ደኣ ወደይ. . ሓድሽ

ድዩ ወላስ. . . ?” ሽዑ’ውን ስክፍታ ሓዊሰ ኣድመጽኩ።“ደሓን’የ ፐተር ሓወይ . . .

ደሓን’የ። ተሃዊኽካ ስለዘለኻ እንተዕለልና ክትድንጒ ኢኻ፡ ሆቴል ጥራይ ሓዘለይ” ተማሕጸነ። ሆቴል ሓዝኩሉ። ንገዛይ ቅድሚ ምምርሐይ ሓንቲ ሕቶ ግን ኣቕረብኩሉ፡“ናብ ማይጨሎት መዓስ ኢኻ

ክትምለስ?” “ጽባሕ ንግሆ” መለሰለይ

ቅልጥፍ ኢሉ።

***ገጻት ሂወት ሰባት ምስማዕ፡ ሰሚዕካ

ምእካብ፡ ኣኪብካ ድማ ምጽሓፍ ዝፈቱ ስለዝነበርኩ ንጽባሒቱ ምስረፈደ ናብ ማይጨሎት እንዳ ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና - ነዊሕ ዕላል።“ኣብርሃም ጠዓመ ገብረሚኪኤል

ይበሃል። ካብ ኣደኡ ሂወይ ስዩምን

ኣቦኡ ጠዓመ ገብረሚኬኤልን ኣብ 1981 - ኣብ ገደለ ከባቢ ተራእምኒ ተወሊዱ። ኣብታ ካብ ከተማ ደቀምሓረ 20 ኪሎሜተር ንሸነኽ መገዲ መንደፈራ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ድማ’ዩ ዓብዩ። መባእታ ትምህርቱ ድሕሪ ምክትታሉ ከኣ’ዩ ወለዱ ሓገዝ ዝደልዩ ምዃኖም ዝተረድአ። ናብራ’ታ ገዛ ክሓስም እምበር ክጥዕም ስለዘይተዓዘበ ድማ ወሰነ - ትምህርቲ ገዲፉ ክሽቅል። ኣብቲ ዝነበሮ ከባቢ ሽቕለት ምስ ስኣነ ድማ ናብ ኣስመራ ኣበለ። ከም ባህጉ’ውን ስራሕ ረኸበ። “ሕጂ ፐተር ሓወይ . . . ኣብቲ

ግዜ’ቲ ጸገም ስድራይ እምበር ጥቕሚ ትምህርቲ ፍጹም ኣይርደኣንን ነይሩ። ልክዕ ኣብ ኣስመራ መጺአ ነቶም ዝዀነ እቶት ዘይነበሮም ድኻታት ስድራይ ብምቕላበይ ዕግበት ይስምዓኒ እንተነበረ ኣብዚ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ግን ብዘይ ምምሃረይ ተሃስየ’የ።” ኣብርሃም ከምዚ እንክብል ኣብቲ ብሩህ ገጹ ዝተደጐለ ጓሂኡ ይንበብ ነበረ። “ሽዑ ኸ?” ኣቐጸልክዎ፡ ካብ ልቡ

ዝተፋሕረ ሓቀኛ ስምዒቱ ምእንቲ ክረክብ።“ናብራ ከተማ መቸስ ከምትፈልጦ

ናብራ ጉያ ጉያ’ዩ። እንጀራ ከተማ ድማ ከምትፈልጦ እንጀራ ጻዕሪ’ዩ - ብዙሕ እጽዕር ነይረ። ሕጂ ሓደ እዋን ኣብዚ ሕቖይ ገለ ሸቕ ዘብል ክስምዓኒ ጀሚሩ። ፈለማ ኣይተገደስክሉን፡ ምስ በርትዓኒ ግን ንዓዲ ወሪደ. . . ” ክዛረብ ከሎ ተጻጊሙ የውጸኦ ብምንባሩ ነቲ ፋልማይ ዝኽሪታት ካብ ኣእምሮኡ ክሓኮ ዝደለየ መሰለኒ።ኣብርሃም ኣብቲ ግዜ ናብ

ሕክምና ኣይከደን። እቶም ኣብ ዓዲ ዝነበሩ ሓረስቶት ስድራኡ’ውን ናብ ሕክምና ምእንቲ ክኸይድ ኣይደፍእዎን። ብኣንጻሩ’ውን’ዮም ዝመኸሩ። “ጸገመይ ንስድራይ ምስ

ኣካፈልክዎም ብቐጥታ ‘ፈውስኻ መትኮሳ’ዩ’ በሉኒ። ኣይተቐበልክዎምን። ‘ክንደይ ደቂ ዓዲ በዚ ኣገባብ ሓውዮም፡ ደልዲሎም ይኸዱ ኣለዉ፡ ንስኻ ኸኣ ክትኣቢ’ ኢሎም፡ ብዙሕ ኣብነታት ምስ ኣቕረቡሉይ ግን ኣብ ርእይቶኦም ኣተኹ። በታ ፈላጥ ዓዲ ተተዀስኩ። ሓሻካ ንሳቶም’ውን መሲሉዎም’ዩ . . .”

ኣይቀጸለን።

“ውጽኢት ናይቲ ባህላዊ ሕክምና’ሞ ከመይ ነበረ?” ብሕቶ ጥራይ ዝቕጽል ስለዝመሰለኒ።“ናይ ሽዑ ኣይዘከር’ዩ! ድሒረ’የ

ደኣ ፈሊጠዮ እምበሪ፡ እቲ ተኳሳይ ገለ ካብ ናይ ሕቖይ መትኒታት ተንኪፉለይ። ምስ ግዜ ካብ ዓንዲ ሕቖይ ንታሕቲ ክቈጻጸሮ ዘይክእል እናዀንኩ መጺአ። ብፍላይ ኣብ እዋን ዛሕሊ ሕሱም ቃንዛ ኣሎኒ። መሓውረይ ፍጹም ምቁጽጻሩ ሓሚቐ። እነሃልካ ድማ ሸውዓተ ዓመተይ ዓርኪ ዊልቸር ኰይነ።” ብስምዒታቱ’ውን ብዙሕ ኣስተማሰለ። እዚ ምስ ዀነ ኣብርሃም ናብ

ብዙሕ ማይጨሎታት በጽሐ። ጸገም መሓውሩ ካብቲ ባህላዊ ሕክምና ዝተኸስተ ምዃኑ ስለዘይፈለጠ ድማ’ዩ ናብ ሕክምና ከይከደ እዋን ዘሕለፈ። ድሕሪ ግዜ ናብ ሕክምና ስለዝኸደ ግን ጠንቂ ስንክልናኡ ተነግሮ። “ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት

ዝርኣየኒ ዶክተር እንታይ ኢሉኒ መስለካ፡ ‘ጸገምካ ካብቲ ዝገበርካዮ መትኮሳ’ዩ ተበገሱ’ ኢሉኒ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግና ክፍወስ ዝኽእል ጸገም’ዩ ዘሎካ ክብል ወሲኹለይ” ክብል ገለ ካብቲ ብዙሕ ዛንታኡ ጸውይኒ።ንኣብርሃም ተፋንየ፡ ካብ

ማይጨሎት እንዳ ኡራኤል ናብ ገዛይ ኣምራሕኩ። ገዛይ ቅድሚ ምእታወይ ግን ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣልገስኩ’ሞ፡ ኣብርሃም ብዝሃበኒ ሓበሬታ ብዛዕባ ኩነታቱ ተወከስኩ። ኩነታቱ እትፈልጥ ነርስ ተቐበለትኒ “ሕማሙ ክፍወስ ዝኽእል’ዩ። ሓደ መትኒ ዓንዲሕቖኡ ተሃስዩ’ሎ። እቲ ጸገም፡ ከምዚ ንዝኣመሰለ ሕማም ብውሽጣዊ ዓቕምና ክንሕክም ዘይንኽእል ምህላውና’ዩ። ሓካይሙ ከምዝገለጽዎ ኣብርሃም ናብ ደገ ከይዱ ክሕከም እንተዀይኑ ዝጠልቦ ሰብ ወይ’ውን መሐከሚኡ ዝኸውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክህሉዎ ኣሎዎ” እኹል ሓበሬታ ሃበትኒ። ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ኣብርሃም ተመለስኩ። ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ቃላት ጥራይ

ተዛሪቡኒ።“ኣብ ወጻኢ ሰብ የብለይን።

ስድራይ ድማ እቶም ዝነገርኩኻ’ዮም!”

Page 4: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 4

ሱራፌል ተ/ብሩኽ

ከም ሎሚ ትጥዕም ረፍዲ ኣርፊደ ኣይፈልጥን፣ ኣዝዩ ጥዑም ረፍዲ፡ ጸሓይ መተካእታ ናይ ቍሪን ኣስሓይታን ብምዃን ድሮ ካብ ስፍራኣ ወጺኣ መሬት ከተማሙቕ ከተብርህን እንከላ፡ ኣነ ድማ ጣዕሚ ሙቐታ እናተመገብኩ ዝኽርታተይ የሰላስል ኣለኹ፣ተዘኩሮታተይ እናሻዕ እናተመላለሱ ፍጹም ቀይሮሙኒ፣ ኣብ ዝኽሪ እዞም ኣዚየ

ዝፈትዎምን ዘፍቅሮምን መማህርተይን ደቂ ሓይለይን ኣባላት 23 ዙርያ (ዙር ንቕያ)፡ ብፍላይ ድማ ብሎክ 2.32 ዝማሃሩ ዝነበሩ ደቂ ክፍለይ ንሓደ’ኳ ከይገድፍኩ ብመንፈስ ከዕልሎም ጀሚረ፣ ኣዝዮም ደስ ዘብሉን ጥዑማትን እዮም፣ ምሳይ ዘሎ ዝኽሮም ተጻሒፉን ተዘንትዩን ዝውዳእ ኣይኰነን፣እታ ንሓደ ዓመትን ወርሒን ዝኣክል ግዜ፡ ከም ሓደ ስድራ ኴይና ንኽንሓልፎ

ዝሓቖፈትና መዲና መንእሰያት ሳዋ’ውን ናታ ዝኽሪ ኣለዋ፣ እቲ ርኹብ ነቲ ዘይብሉ። እቲ ደሓን ነቲ ድኹም። ክትሓጋገዝን ክደጋገፍን ክዝክር እንከለኹ እግረም እየ፣ ኣብ ሳዋ ኣብ ማእከል’ቲ ናይ ሓባር ባህሊ ኣቲኻ ነዚ መንፈስ ኰነ ኢልካ ከተንብቦ ኣይትሓስብን ኢኻ፣ ሎሚ ውጽእ ኢልካ ግን ብሓቂ የገርም’ዩ፣ እዚ ካብቲ ምስ ደቂ ሓይለይ ዝተማሃርኩዎን ዝሰራሕኩሉን ጭዋ ባህሊ ሳዋ’ዩ፣ ኣብ ሳዋ ንውልቅኻ ኢልካ ትገብሮ ሓለፋ የለን። ምዕሩይን ኣሳታፊን ዝዀነ። ዘፋቕርን ዘከባብርን ማሕበራዊ ህይወት ስለ ዝነበረና፣ ብዘይካ ናይ ሓባር ስራሕን መጽናዕቲን ኪንዮኡ ዘይከይድ ዕላማታት ሳዋ ጠቒሙና፣ ንባዕሉ ኵልና ሰብ ራኢን ወነንቲ ቅኑዕ

ምስ ነብሰይ ክላዘብ ብዙሕ ግዜ ወሲደ፣ ሓሲበዮም ዘይፈልጥ ዓበይቲ ሓሳባት ክቀላቐሉኒ ጀሚሮም፣ ህይወተይ ክቕይሩ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሓሳባት፤ ህይወተይ ካብቲ ንቡር ጸወታኣ ከውጽኡዋ ዝኽእሉ ሓሳባት’ዮም፣ ህይወት ከም ጸወታ ዳማ’ያ፤ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓስካ ዋጋ ኣለዋ፣ ኣብ ህይወተይ ዝገብራ ሓንቲ ስጕምቲ ከኣ ሓንቲ ካብተን ድምር ስጕሚታት ምሉእ ህይወተይ’ያ፣ ኣብቲ ዓቢ ስእሊ ህይወተይ፤ ኣብቲ ዓቢ ዛንታ ታሪኸይ ናታ ጽልዋ ኣለዋ፤ ስለዝዀነት ክንዕቃ ኣይደሊን፣ ዓበይቲ ሓሳባት ዓቢ ሰብ’ዮም

ዝገብሩኻ፣ ብምንታይ’የ ኣዕቢየ ዝሓስብ ክትንትኖ ነይሩኒ፣ ካብቲ ዘለኹዎ ጕዕዞ ኣዝዩ ዓቢ ጋግ ዘለዎ ከይከውን’ሞ ዕውንውን ኢለ ከይተርፍ እስከፍ፣ ሓሳባተይ ናብቲ ጫፍ ተኽእሎታተይ ዘደይቡ መሳልል ክዀኑለይ’የ ዝደሊ፣ ኵሎም ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ተሰሪዖም ክመጽኡኒ ወትሩ እምነ፣ ምናልባት ምሉእነት ተፈቲፊታ ንክዅልሳ ክትስለፈለይ ምምናየይ ስስዐ ይመስል ይኸውን፤ ግን ትምኒትካ ኣንእሶን ኣዕቢዮን ዝብለካ መን ኣሎ? ዋላ ሓደ የለን፣ ትምኒት ብናጻ ዝተዓደለና ዓቢ ሞራል’ዩ፣ ወሸለ ትምኒተይ ሰሚሩለይ፣ ነቶም ቅልቅል ውጥም ክብሉኒ ዝቐነዩ ሓሳባት ስቕ ኢለ ከሕልፎም ኣይደለኹን፣ ምኽንያቱ ንሓደ ሓድሽ ነገር ድሉው ክኸውን ከም ዘለኒ ተሰማሚዐ’የ፣ ኣብ ኵሉ ዝጀመርኩዎ ስራሕ። ሞያ። ዝምድናን ፍቕራዊ ህየወተይን ሓደ ንጹር ሓሳብ ክህሉወኒ ኢለ ሓሲበ፣ ሓሲበ ጥራይ ኣይኰንኩን ከኣ ኣብ መዲደይ እናኣእተኹ ክጸጽዮም ቀንየ፣ እቲ ካልእ ኣባይ ዝምርኰስ ስለዝዀነ ኣይተጸገምኩን፣ ፍቕራዊ ህይወተይ ግን ኣብታ ካልአይተይ’ውን ስለ ዝምርኰስ በይነይ ዝውደኦ ኣይኰነን፣ ገና ከኣ ሓደ መዕለቢ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን ዘለኹ፣ካብ ንፋለጥ ኣትሒዘ ብልበይ

ከም ዝፈተኹዋ ኣይትፈልጥን ትኸውን፤ ካብ ዝርደኣ ግን ውሑድ ኣይገበረትን፣ ፍትወተይ ብቃለይ

ክደግመላ ክደጋግመላ ዘጸግመኒ ኣይኰነን፣ ከልዕለላ እንከለኹ ክትሰምዖ ኣትደሊን፣ ኣነ ከኣ ኮፍ ኣቢለ ኵሉ ሓቂ ከፍልጣ። ንሳ ከኣ ዝምእምኣን ዘይምእምኣን ክትነግረኒ እደሊ፣ ኵሉ ግዜ ፍትወተይ ክገልጸላ ኣይምረብረብኩን፤ ሕፍረት? ፍርሒ? ጽልኣት? እንታይ ይሕዛ ኣይፈልጥን ክትሰምዓኒ ኣይትደሊን፣ “ከምኣ ትብለኒ እንተዄንካ ኣይመጽእን’የ።” ትብለኒ፣ ስለ ዘይትፈትወኒ ኣይኰነትን፤ ነዚ መረጋገጺ ኣይደልየሉን፣ ግን ከኣ እንታይ ይሕዛ ኣይፈልጥን፣ “ሓደ ነገር ክነግረካ ደለየ ኣለኹ።”

ትብለኒ ኣብ ገለ እዋን፣ ትብሎ ክሰምዕ ተሃንጢየ እጽበያ፣ ክንራኸብ እንከለና ኵሉ ግዜ ክትነገረኒ እጽበያ፤ እጽበያ ከም ዘለኹ’ውን ኣይጠፍኣን’ዩ፣ ባዕላ ካብ ዘይጀመረትለይ “እቲ ክትብልኒ ዝሓሰብኪኸ…” ይብላ፤ ኣይትነገረኒን፣ ደጋጊመ ፈቲነ ሕራይ ኢላ ክትነግረኒ ኣይከኣለትን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ነዞም ብኣፍካ ዝወጽኡ ቃላት ትብዓት

ትደልየሎም ኢኻ ኢለ ዝኣኽለኒ ተጸብየያ፣ ብዙሕ ግዜ “ንመወዳእታ ግዜ ሕጂ ክሓታ እየ’ሞ። ፍጹም ደጊመ ኣይሓታን’የ።” እብል ነይረ፣ ግን ከኣ ክሓታ ትጽበየኒ ትህሉ’ያ ኢለ ይሓታ… ይሓታ… ይሓታ…፤ ንሳ ከኣ ከም ቀደማ ትኸውን፣ “እዛ ሕቶ ትሓተኒ እንተኴንካ ኣይመጽእን እየ።” ትብለኒ፣ንበይነይ ኰይነ ኣብ ጕዕዞ ህይወተይ

ሒዘዮም ዘለኹ ነገራት ከጽሪ ካብ ዝብገስ ግን ነቲ ሓቂ ሰሚዐ ክገጥሞ ወሲነ’የ፣ ስለምንታይ እናተደላለና ሰንፈላል ንኸውን? ክሳብ መዓስ ኢናኸ ሰንፈላል ክንጸንሕ? ደጊም ናይ ሰንፈላል ናብራ ኣባይ ኣይሰርሕን’ዩ፣ መዕረፊ ክገብረሉ ኣለኒ፤ እንተ ከም ድለየተይ እንተ ኣንጻር ድልየተይ ሓዲኡ ክኸውን ኣለዎ፣ ለንቅነ ምስ ተራኸብና ሓቲተያ፣ ሓደ ዘይፈልጦ ዛንታ ከም ዘሎ ኣተንቢሃትለይ ኣላ፣ እቲ ዛንታ የቐንዙዋ ይህሉ ይኸውን? ንህይወታ ኣብ ሰንፈላል ኣቐሚጡዎ ይህሉ? ሓደ ዘሻቕላ ዘይተዓጽወ ምዕራፍ ክኸውን’ውን ይኽእል? ምኽንያቱ ኣዒንታ ንብዓት መሊኦም። ቃንዛኣ ካብ ልባ ወጺኡ ንገጻ በርበረ’ዩ ኣምሲሉዎ፣ ኣነ ከኣ ኢለያ፥“በሊ ንስኺ ንገርኒ ኣይትንገርኒ…

ባዕለይ መዝሒቘ ከውጽኦ እየ።” ኢለያ፤ ክገብሮ’የ ከኣ፣ ከምዚ ዘላቶ ኰይና ክትከይድ ባህታይ ኣይኰነን፣ ኵሉ ንገር ተማቒልካ’ዩ ዝቐልልን ትርጕም ዝህብን፣ ከምቲ ኣብራሃም ኣ. ዝበሎ፥“ተመቐልካዮ ስቓይ ይዀነልካ ፍርቂ

ኢሎሙኒተመቐልካዮ ፍቕሪ ይዀነልካ ዕጽፊ

መስለኒ…።” እናበልኩ ክደርፈላ’የ፣ከምቲ ፍጹም በራኺ ዝበሎ፥“…ተዛረቢ ክፈልጦ ስምዒትኪ… እንታይ’የ ኣነ ንዓኺ።” እናበልኩ

ደጊመ ክደርፈላ’የ፣ከምቲ ተኸስተ ሰሎሙን ዝበሎ፥“ግለጽለይ ፍቕረይ ገለጽለይ…”

እናበልኩ ደጋጊመ ክደርፈላ’የ፣

ነጋሲ ኣፈወርቂ - ድባርዋ

መቸም እንተተጨኒቐ ናባኺ ጠሚተ ቢሮይ’የ ዘልዕል፣ ሰብ ሽግሩን ሓጐሱን ተማቒሉ ክነብር ብባህሪ ተዓዲሉዎ’ዩ፣ ገሊኡ ከም ባህታኡ ዝሰማምዖ ጐኒ ኣለዎ፣ ገለ ከኣ ነብሱ ኣይኣምንን፣ ምስጢር ንሰብ ከመይ ገይሩ’ዩ ውነኡ ዝወስዶ ኣይርደኣንን፣ ንዓይ ግን መካፍልቲ ሽግረይን ሓጐሰይን ንስኺ ኢኺ ዳየረይ፣ ሓንቲ ከይሓባእኩ ህይወተይ ዘዕልለኪ መሓዛይ፤ ንስኺ ከኣ እምነተይ ርኢኺ ኣብ ውሽጥኺ ትሰትርዕይ፣ “በዚ ወዲ’ምበር ጸሚመ” ከይትብልኒ ሕጂ’ውን ናቱ ዕላል’ዩ ዘለኒ፣ ጸጸኒሐ

ሓሳብ ክሕዝ እንከለኹ ብዛዕባኡ’የ ዝሓስብ፤ ጸጸኒሐ ክትክዝ እንከለኹ ንደጀነይ’የ ዝናፍቕ፤ ጸጸኒሐ ብዙሕ ክዛረብ እንከለኹ ብዛዕባኡ’የ ዝዛረብ፣ ዳየረይ በዚ’ኳ’የ ዝፈትወኪ! ሓንቲ መዓልቲ ካብ ምስምዐይ ዓዲ ውዒልኪ ኣይትፈልጥን፣ እዚ ንስኺ ትገብርዮ ሰብ ነይሩ እንተዝኸውን ክፈርደኒ። ክሓምየኒን ከንፈሩ ክርምጥጠለይ ምወዓለ ነይሩ፣ ትማሊ ኣብ ኤሽቢልያ ካፈ ተራኺብና ኔርና፣ ኣብ ማእከል ክልኦት ሰብ ስለ

ዘነበርና ጽቡቕ ገይረ ከዕልሎ ኣይከኣልኩን፣ ቀልጢፍና ክንወጽእ ለሚነዮ፡ ወጺኢና፣ ናብ ገዛውትና ቅድሚ ምብጻሕና ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢልና፣ እዚ ምፍልላይ ንኵሉ ዕላልና ቀይሩዎ፣ ኣነ ኣብ ሕቝፉ ተሸጕጠ። ጸጸኒሕና ከም ዘይንረሳሳዕ ክንዘኻኸር ኣምሲና፣ ግዜ ይኸይድ ምንባሩ ኣይተፈለጠናን፣ እቲ ንፈላለዮ ግዜ ነዊሕ ብምዃኑ ነቲ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰዓታት ዋጋ ኣይሃብናዮን፣ እዚ ምፍልላይ ኣፍሪሑና ግዲ ኰይኑ ጸጸኒሕና ንጠማመት፡ ምስዕዓም ከኣ ኣይነቋርጽን፣ ኣብ ሳዋ፡ ዓመት ምሉእ ብሓንሳብ ኢና ኣሕሊፍናዮ፣ ሳዋ ኣብ ጐነይ ስለ ዝነበረ

ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ’ያ ሓሊፋ፣ ሎሚ ሰሉስ እዩ፡ ዓርቢ ኣነ ናብ ሳዋ ክብገስ’የ፣ ንሱ ከኣ ናብ ማይነፍሒ! ምስ ደጀነይ ጐደናታት ከረን ጽቡቕ ጌርና ከይረገጽናዮም ንፈላለ ኣለና፣ እዘን ዘለዋና ክልተ መዓልታት ግድን ክንራኸብ ተረዳዲእና ኣለና፣ እንታይ’ሞ ክጠቕመና ኢሉ’ዩ፣ ንኣሽቱ ዲና ኴይና ዋላስ ሰሲዕና። ስቕ ኢሉ ፍርሐይ እናዓበየ ከይንረሳሳዕ ዘስግእ ሓሳብ ይመጽኣኒ፣ ኣይንረሳሳዕን ኢና’ኰ፡ ግን ስቕ ኢሉ በዚ መጺኡ ዘይትብሎ ፍርሒ ይመጽኣኒ፣ ኣነ ከም ዘይርስዖ ደጋጊመ ንነብሰይ የረጋግጸላ’የ፣ ደጀነይከ ከማይ ይጸንዕዶ ይኸውን? እብል’የ፣ ግን ሓቂ ኣይኰነን፡ ልዕለይ ከም ዝጸንዕ እፈልጥ’የ፣ደጀነይ ኣብ ትምህርተይ። ኣብ ሳዋን ዕረፍተይን ምሳይ’ዩ ነይሩ፣ ኵሉ ግዜ ካብ

ጐነይ ኣይተፈልየን፡ ኣነ’ውን ኣይተፈለኹዎን፣ ሕጂ ግን ደጀነይ ዘይብሉ መገሻ፡ ደጀነይ ዘይብሉ ህይወት ከመይ ከም ዝኸውን ክርእዮ’የ፣ ክናፍቖ’የ! ንፍቕፍቕ ከኣ’ምበር!! እተን ባዕለን ዝዛረባ ኣዒንቱ። ምጭውቲ ገጹ። ብፍላይ ከኣ እተን ከም ፈውሲ ጥምየትን ጽምኢን። ፈውሲ ኑዛዜይ። ደምሰስቲ ጭንቀተይ ዘገልግላኒ ከናፍሩ ክሃርፈንን ክናፍቐንን’የ፣ ኣታ ንኽልተና ዘራኸብካ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ ጽኑዕ ልቢ ሂብካ ምፍልላይና ኣሕጽሮ፣ ኵሉ ከኣ ንሰናይና ግበሮ! I love you ደጀነይ፣ ፈቨን እንታይ’ያ ኢላ ደጀነይ፥“… ጽን ኢለ ኣድሚጸዮ ትርግታ ልብኻበጺሐዮ ወዲአዮ መርሚረዮመጠን ፍቕሪኻ ኣካለይመጠን ፍቕሪኻ ደጀነይመጠን ፍቕሪኻ ዓለመይ መጠን ፍቕሪኻናትካ’የ! ናትካ’የ! ናትካ’የ!”

ልዋም - ከረን

“ደቂ መዲና ናፊቐዮም”

“ንጽናዕ’ሞ ክምቅረልና’ዩ!”11።05 ድ.ቐ. 17 መስከረም 2013

10።00 ቅ.ቐ. 10 ታሕሳስ 2013

“ግለጽለይ ፍቕረይ ግለጽለይ...!”1።45 ድ.ቐ.31 ታሕሳስ 2013

ዕላማን ንኽንከውን ዘኽኣለና ናይ ትማሊ ሓቂ’ዩ፣ ኣነ ከኣ ንመንነት ህይወተይ ዝያዳ ኣብ ሳዋ ሽኮር ኣብ ማእከል ደቃ’የ ነብሰይ ፈሊጠያ ኢለ ክዛረብ ኣኽኢሉኒ’ዩ፣ጫው ጫው ናይ ደቂ ካንሸሎና ከም ሎሚ ገይሩ ኣይተበራሃንን፡ ምስ ዝኽሪታተይ

ተሳንዩ ዝያዳ የነቓቕሓኒ ኣሎ፣ እዚ ዝሰምዖ ዘለኹ ዕላልን ስሓቕን። ከምቲ ካብ መስርዕ ናይ ጋንታና እናተንቀሳቐስና ንጻወቶ ዝነበርና ውዕይዕይ ዝብል ባህሪ ደቂ ሓይለይ ስለ ዝተመሳሰለ ካብቲ ዝነበርኩዎ ተዘክሮ ኣይኮለፈኒን፣ እኳ ደኣ ንነዊሕ ግዜ ናብ ሳዋ ይመልሰኒ ኣሎ፣ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተንቀሳቒሰን ተቐሚጠን’የ፣ ዝጸናሕኩሉ ግዜ ብዘየገድስ ከም

ኣብ ሳዋ ዝነበርኩዎ ዝጥዕም የለን፣ ኣብ ሳዋ ምንባር ማለት ምስ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወት ምልምማድ’ዩ፣ ንዅሎም ማሕበራዊ ብድሆታት ገጢምካ ክትስዕሮም፤ ቅኑዕ ማእዝን ክትሕዝን ክትፈሊን፤ ዓቕሚኻን ሓይሊኻን ፈሊጥካ ክትጐዩ ከም ዘለካ ትርዳእ፣ ኣብዚ ቦታ ትምህርቲ። ፈጠራ። ምሕዝነትን ልግሲን ምሳይ ንዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ናብ ሳዋ ተመሊሰ ብመንፈስ እዝክሮም ኣለኹ፣ እቲ ሽዑ ዝርእዮ ዝነበርኩ ዓቕሚ መሃዝነቶምን ፈጠራዊ ክእለቶምን። ውሕሉል ስነ-ጥበባዊ ስርሓቶም ኣብ መጻኢ ነዛ ሃገር እንታይ ከምስሉዋ ይኽእሉ ኢለ ሃረር ዝብለሉ ዝነበርኩ ግዜ ሎሚ ምስ ዝኽሪታተይ ተሰሪዑ መጺኡ፣ ‘ሰውራ የላሊ’ምበር ኣየማኑን’ ዝብል ጥቕሲ ቀዳሞት እናደገምኩ ካብ ዝኽሪ ሳዋ

ክእለ እግደድ ኣለኹ፣ ዳየረይ ሓደራኺ! ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ኰይኖም እጃሞም ዘበርክቱ ንዘለው ኣዕሩኸይ! ብጾተይ! ኣሕዋተይ! ሰላም በልለይ፣

ቴድሮስ ግደይ (ወዲ እምባየ)ሰንዓፈ

Page 5: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 5

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ሕታም ጋዜጣ ኤርትራ፡ ዓምዲ እንታይ ትመኽሩኒ፡ “ኣወዳት ከይተጠወቑ’ዮም ዝናዘዙ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝሰፈረ ጽሑፍ ኣንቢበዮ። ኣቱም ሰባት “እገለ ሓቲቱኒ፡ እገለ ክምርዓወኒ ደልዩስ ኣብየየዮ፡ እገለ ሻሂ ንስተ ኢሉኒ፡ እገለ ሞይቱለይ . . .” እናበት ሞኽ ኣቢላትኒ ንዘላ መሓዛይ እንታይ ከም ዝገብራ ደኣ ዘይትመኽሩኒ! ናይ ሓያሎ ኣወዳት ኣስማት እናልዓለት ከም ዝሓተትዋን ከም ዝኣበየቶምን ክተዕልለኒ ከላ ቅጭ’ዩ ዝመጽኣኒ። ሎሚ ሎሚ እሞ ብዛዕባ ወዲ ተባዕታይ ዕላል ከይጅምረላ እስከፍ ኣለኹ። ምኽንያቱ እንተ ጀሚረላ ከም ኣመላ “እገለ ፈትዩኒ፡ እገለ ንመርዓ ሓቲቱኒ . . .” እናበለት ኣንፈት ዕላለይ ክትቅይሮ’ያ።

www ካብ ኣስመራ ***ዝኸበርኪ www፡ መሓዛኺ

ጥራይ ኣይኮነትን ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዋ። ከምዚኤን ዓይነት ኣዋልድ ኣዝየን ኣዝየን ብዙሓት’የን። ጠንቂ ከምኡ መበሊአን ከኣ ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝፍለ ኣይኰነን። ብርግጽ ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ይውሕዘን። ኰይኑ ግና ሓያሎ ካብ ደቀንስትዮ ይተሓተታ ኣይተሓተታ ብዘየገድስ “እገለ ንፍቕሪ ሓቲቱኒ፡ ፈትዩኒ . . .” ንኽብላ ዝድረኸን ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብ ገዛእ ርእሰን ካብ ዝፍጠር ናይ ዘይብቑዕነት ስምዒት ዝነቅል ከም ዝዀነ’ዮም ከኣ ፈላጣት ናይ’ዚ ኣርእስቲ ዝገልጹ። ንገዛእ ነብሳ ንኽትፍቀር ከም ዘይተዓደለት

ህጻን ወደይ ካብ ስነስርዓት ወጻኢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። ኣደኡ ብባህሪኣ’ውን ቀጻዒት ስለ ዘይኰነት ክንዲ ፍረ ጣፍ ኣይርእያን’ዩ። ኣነ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ብስራሕ ገያሻይ ስለ ዝዀንኩ ምሉእ ብምሉእ ክከታተሎ ኣይከኣልኩን። ኣብ ዝመጻእኩዎ ቈልዓ ዘይገብሮ በደል ፈጺሙ ክጸንሓንን ኣነ ክቕጥቅጦን ተረባሪና ኢና። ኣብ ዝገሽኩዎ ብዛዕብኡ ክሓስብን ክሻቐልን ሩፍታ የብለይን። “ሎሚኸ እንታይ ኰን ገይሩ ይኸውን” እናበልኩ ብስቅቕታ እየ ዝእቱ ናብ ገዛይ። ኣብ ሓደ እዋን ብሕርቃን ዱካ ደርብየ ምስ ሃረምክዎ ንስክላ እዩ ዓይኑ ካብ ምጥፋእ ድሒኑ። እቲ በሰላ ኣብ ግንባሩ እንተ ሃለወ’ኳ ብሕክምና ሓውዩ። ናይ ዝሓለፈ እናዘከርኩ ሸለል ክብሎ እንተደለኹ ግን መመሊሱ እገደደ ዓቕለይ ኣወዲኡኒ። ከመይ ገይረ ከም ዝኣልዮ ገለ ሓበሬታ ሃቡኒ።

ብርሃነ ካብ ባረንቱ እዚ ሕቶ’ዚ ብብዙሓት ስድራ

ቤታት ዝሕተት’ዩ። ቈልዓ ምእላይ ማለት ኣብ ዝበደለሉ እዋን ምግናሕን ምህራምን ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓቕልን ኣፍልጦን ዘድልዮ እዩ። እቲ ቈልዓ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ክትሃርሞ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስነ ኣእምሮኡ ዝሰርጽ ኣረኣእያ ግን ሳዕቤኑ ይኸፍእ። ቈልዓ ካብ ንዝቐጽዕዎ ንዘፍቀርዎ ዝያዳ ከም ዝእዘዝ፡ ግዱሳት ናይ’ዚ ዓውዲ ይገልጹ። ሕማቕ ገይሩ እንተ ሃረምካዮ ካብኡ ስለ እትሕይል ንግዜኡ ብጎነጽ ትዓግቶ ኣለኻ ደእ’ምበር፡ ተግባሩ ሕማቕ ከም ዝዀነ ኣየፍለጥካዮን። ብዓቕልን ብፍቕርን ብዛዕባ ሕማቓት

ጽሑፋት እፈታትን’የ። ኣምር ናይ ጽሑፍ ንኽህልወኒ ድማ ንብዙሓት ይፈልጡ እዮም ዝበልኩዎም እሓትት’የ። እንተ ዀነ ግን ክሳብ ሕጂ ብንጹር ከረደኣኒ ዝኸኣለ ሰብ የለን። ኣብ ቀረባ እዋን ንሓደ ጸሓፋይ ሓንቲ ድርሰት ንኽርእየለይ ምስ ሃብኩዎ ብዘይ ገለ ተወሳኺ ሓሳባት “ጽሑፍካ ኣስተምህሮ ዀይኑ” ኢሉ መሊሱለይ። ንምጽሓፍ ዝሕግዝ ገለ ሓሳባት እባ ኣካፍሉኒ።

ደላይ ምኽሪ ካብ ዓዲ ቐይሕ

ብርግጽ ሰብ ገለ ሓሳባት እንተ ሃበካ ሓጋዚ’ዩ። እንተ ዀነ ግን ብዘይካኻ ከመይ ገይርካ ከም እትጽሕፍ ክምህረካ ዝኽእል ሰብ የለን። ጸሓፋይ ማለት ኣንባባይ ስለ ዝዀነድማ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብምንባብ ሓንጎልካ ኣስፋሓዮ። ደጋጊምካ ጽሓፍ። እቲ “ጽሑፍካ ኣስተምህሮ ኰይኑ” ዝበለካ እውን ካብ መጻሕፍቲ

‘እገለ ሓቲቱኒ፣ ሻሂ ንስተ ኢሉኒ’ እናበለት ሞኽ ኣቢላትኒ

ወይ ብቕዕቲ ከም ዘይኰነት እትሓስባ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብነብሰ ምትሓት እትሳቐ ጓል ኣንስተይቲ፡ ወዲተባዕታይ እንክሓታ ወይ’ውን ከይሓተታ “እገለ ሓቲቱኒ” ኢላ ንኽትነግር እትህወኽ፡ ኣብ’ቲ እትረቑሖ ወዲ ዘለዋ ኣረኣእያ እዩ ዝውሰን እዮም ዝብሉ ፈላጣት። ነቲ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይተደላዪ ወይ ዘይብቑዕ ትሓስቦ እንተ ድኣ ዀይና፡ ንሰባት ካብ ምንጋር ትም ምባል ትመርጽ። ምኽንያቱ እቲ ከም ዘይተደላዪ እትሓስቦ ወዲ ከም ዝሓተታ እንተ ነገረት፡ ዝድነቐላ ሰብ ክትረክብ ከምዘይትኽእል ስለ እትሓስብ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቲ ሰብ፡ ሃብታም፡ መልከዐኛ፡ ዝና ዘለዎ፡ ተደላዪ፡ ምዃኑ እንተ ኣሚና፡ ንሰባት ንኽትነግር ከይደቀሰት ትሓድር። “ንዓይ ዝደልዩኒ ሰባት ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ እዮም” ትብል ከም ዘላ ድማ ክንርዳእ ይግባእ። ምናልባት ንሓያሎ መሓዙታ ወይ ደቀንስትዮ

ትነግር እንተ ሃልያ ድማ፡ “ካባኻትክን ንላዕሊ ኣነ እምረጽ” ትብለን ከም ዘላ’ዩ። መሓዛኺ ድማ፡ “እገለ ንፍቕሪ ሓቲቱኒ፡ እገለ ቆጺሩኒ፡ እገለ ‘መሰጅ’ ገይሩለይ፡ እገለ ክምርዓወኪ’የ ኢሉኒ . . .፡ ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን . . .” እናበለት ናይ ዓሰርተ ኣወዳት ኣስማት እንተ ድኣ ዘርዚራትልኪ፡ ንዓይ ብዙሓት’ዮም ዝደልዩኒ ዝብል መልእኽቲ ከተሕልፈኪ ደልያ ምህላዋ ክትፈልጢ ኣለኪ። ብኡ ኣቢላ ድማ ንባዕላ ርእሰ ተኣማንነታ ከተዕቢ ትሕልን። ስለ’ዚ መሓዛኺ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ

ወትሩ ኣብ እተልዕለልኪ እዋን ብመልክዕ ማዕዳ ድዩ፡ ወቐሳ ወይ ሽዳ ወይ’ውን ካልእ ሜላታት ተጠቒምኪ ከምትእረም ኣብ ምግባር ከይተሓለልኪ ጸዓሪ። ነዛ ጋዜጣ’ዚኣ እንተረኺብክያ ድማ፡ ንኸተንብባ ኣምትላ - ሽዑ ከምዚ ኢላ ክትዛረብ ከላ ከምዘየምሕረላን ሰብ እንታይ ከምዝብላን ክስቈራ ይኽእል’ዩ።

ወደይ ኣትዒቡኒተግባራት ኣፍልጦ። ሕማቕ ክገብር እንተ ረኣኻዮ ብሕርቃን ተደሪኽካ ናብ ጎነጽ ኣይትእቶ። ስለምንታይ ከምኡ ክገብር ከም ዝደለየ ብህድኣትን ሕተቶ። ኣስዒብካ ድማ ተግባራቱ ሕማቕ ከም ዝዀነን ሳዕቤናቱን ንገሮ። ኣብ ሓደ እዋን እንተ ዘይተኣረመ ብዓቕሊ መዓዶ። ወድኻ ንእሽቶይ ብምዃኑ ጽቡቕ ዝገብር ዘሎ እናመሰሎ ክብድል ስለ ዝኽእል ካብ ብማህረምቲ፡

ብማዕዳ ክትኣልዮ’ዩ ንመጻኢ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ዝገብሮ። እስከ እዛ ብዘይምስትውዓል ንዝፍጸም ዘሕዝን ኣጋጣሚ እትትርኽ ዛንታ ኣንብባ። ኣቦ - ማኪናኡ እናጸራረየ

እንከሎ፡ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዱ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ናይ’ታ ማኪና ኰይኑ ብእምኒ እናተንኮሐ ሕንጻጻት ይሰርሕ ነበረ። እቲ ኣቦ ምስ ረኣዮ ኣመና ስለ ዝተቆጠዐ፡ ንወዱ ደጋጊሙ ኣጻብዕቱ ቀርሰሞ። ኣዝዩ ሓሪቑ ብምንባሩ ብ“ኪያቨ” ገይሩ ይሃርሞ ከም ዝነበረ ኣይተረደኦን። እቲ ህጻን ኣመና ተጎዲኡ ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ፡ ብሰሪ ኣብ ኣጻብዕቱ ዝጸንሐ ምስብባር ናይ ኣዕጽምቲ፡ ኩሉን ኣጻብዕቱ ሰኣነን። እቲ ህጻን እናተቕንዘወ ናብ ኣቦኡ ብምጥማት “ባባ ኣጻብዕተይ መኣስ እየን መሊሰን ዝበቑላለይ” ክብል ሓተቶ። ኣቦኡ ብሓዘን ተጎዲኡ ስለ ዝነበረ ወላ ሓንቲ ክምልሰሉ ኣይከኣለን። ናብ ማኪናኡ ብዝተመልሰ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ውላዱ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብጣዕሳ ሕርር እናበለ፡ ንማኪናኡ ደጋጊሙ ሃረማ። ኣብ ቅድሚ እታ መኪና ኮፍ ምስ በለ ድማ፡ እቲ ውላዱ ዝትንኩሖ ዝነበረ ሸነኽ ናይ’ታ ማኪና ተራእዮ። እቲ ቆልዓ ሕንጻጻት እናሓንጠጠ “ባባ የፍቅረካ’የ” ዝብል ጽሑፍ ከም ዝጸሓፈ ድማ ረኣየ። ንጽባሒቱ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ውላዱ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ዘውረደ ኣቦ፡ ሓዘኑ ምጽዋር ስኢኑ ብገዛእ ኢዱ ሂወቱ ኣሕለፋ። ሕርቃንን ፍቕሪን መወዳእታ

ኣልቦ እዮም’ሞ። ሰላማዊ ህይወት ንኸተሕልፍ ንፍቕሪ ምረጻ። ነገራት ንኽንጥቀመሎም ሰባት ድማ ንኸነፍቅሮም እዮም ተፈጢሮም።

“ጽሑፍካ ኣስተምህሮ ዀይኑ”

ክትረኽቦ ዝነበረካ ጠቓሚ ሓሳብ እዩ ሂቡካ። ሓንቲ ናይ ትንታውያን ኣመሪካውያን ብሂል “ጭብጥታት ንገረኒ - ንኽመሃር፡ ሓቂ ንገረኒ - ንኽኣምን፡ ዛንታ ንገረኒ - ንሓዋሩ ኣብ ልበይ ከንብሮ” ካብ ኣስተምህሮታት ንላዕሊ

ዛንታታት እዮም ንወዲ ሰብ ብኣዘናጋዒ መንገዲ ዝምህርዎ። ሰባት ድማ ዛንታ ምስማዕ ደኣምበር

ምስ ደረቕ ኣስተምህሮ ሕጊግ ክብሉ ኣይደልዩን እዮም። ኩሎም እንፈልጦም ነገራት መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎም ዛንታታት እዮም። ስለ’ዚ ጽሑፍካ ልክዕ ከም’ቲ እቲ ጸሓፋይ ዝሃበካ ርእይቶ እንተ ዀይኖም፡ ካብ መሃሪ - ኣዘንታዊ ክትከውን ይምረጽ። እቲ ክተመሓላልፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ምስ ዛንታ ጸምቢርካ ኣሕልፎ። ሰናይ ንምነየልካ።

Page 6: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 6

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ጽገ ሓጎስ ብስራት ምባል ተሪፉ፡ ጽገሬዳ ሓጎስ ብስራት ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/2/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሰሊሆም የማነ ገብረዝጊ ብወለዳ ኣቶ ጥዑምዝጊ ተኪኤን ወ/ሮ ፍረወይኒ ሓድጉን ኣቢላ፡ ሰሊሆም የማነ ገብረዝጊ ምባል ተሪፉ፡ ሰሊሆም ጥዑምዝጊ ተኪኤ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/1/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሚለ ጉዕሽ ኣድሓኖም፡ ስም ኣደይ ባየሽ ገብረመድህን ምባል ተሪፉ፡ ተዛረ ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/1/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

እመቤት ሚኪኤል ሰንጋል ምባል ተሪፉ፡ እመቤት ኪሮስ በራኺ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/1/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ቁ.38 ይቕረብ።

ኣኽሊሉ ነጋሲ ተመስገን ኣሕዋተይ 1.ኣስቴር ነጋሲ ተመስገን 2.ልኡላ ነጋሲ ተመስገን ቅድሚ 25 ዓመታት ጠፊአን ደሃይ ስለዘይብለይን ናይ ጥፉኣት መረጋገጺ ይወሃበኒ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/1/14 ሰዓት ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ይግባይ በሃልቲ ወረ/ነፍ/ጉዖይ እምባየ ኣቶ ኣሕፈሮም እምባየን ወረ/ነፍ/ኣይንኣለም እምባየን ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፦ መልሲ ወሃብቲ 1.ኣቶ ገዛኢ ጸጋይ ወረ/ነፍ/ርግበ ጸጋይ 2.ኣማን ካሕሳይ ወረ/ነፍ/ወልዳይ መድህን 3.ኣሰፋሽ ወልዳይ ወረ/ነፍ/ኣርኣያ መድህን 4.ግደይ ኣራኣያ 5.ጽገ ኣርኣያ 6.ኣማኒኤል ኣርኣያ ብመጸዋዕታ ክቐርቡ

በቲ ህቡብን ወናምን ድምጻዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል) ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ልደትን ‘‘ተስፋ’’ ዘርእስታ ሓዳስ ኣልቡም

ብ ካሴትን ሲድን ናብ ዕዳጋ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ብስራት ነፍቀርቲ ሙዚቃ

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደ

ስለዘይከኣሉ ተጸዊዖም ን27/1/14 ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ኣብ 2ይ መጋባኣያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቁ.28 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ፊልሞን ተኸስተ፡ ብሞግዚቱ ወ/ሮ ጽግሃና ኣቢሉ፡ ፊልሞን ተኸስተ ገብረእግዚኣብሄር ምባል ተሪፉ፡ ናትናኤል ከሰተ ገብረእግዚኣብሄር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/1/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ከሳሲ ዑቕባይ ተስፋማርያም፡ ተኸሰስቲ ወረስቲ ነፍ/ባቡ ኣምቡላል 1.ወ/ሮ ፓረክ ካንቻንቦን ባቡላል፡ 2.ጆሊ ባቡ ኣምቡላል 3.ወ/ት ሶናሊ ባቡ ኣምቡላል 4.ወ/ት ሩፓሊ ባቡ ኣምቡላል፡ ገንዘብ ንክኸፍላኒ ይጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ተኸሰስቲ ጆሊ ባቡ፡ ሶናሊ ባቡ፡ ሩፓሊ ባቡ፡ ካብ ዘለውኦ ን13/2/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባኣያ ይቕረባ። እንተዘይቀሪበን ኣብ ዘየለዋሉ መስርሕ ዳንነት ከምነካይድ ነፍልጥ።

ዛይድ በየነ ጉዖይ ምባል ተሪፉ፡ ዛይድ በየነ ጉዕላይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/2/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህንጻ ዝርከብ ቤትሮታት ወርሓዊ መጋረጃ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ን2014/2015 ንክልተ ዓመት ናይ ጽሬት ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ጉዱሳት ወሃብቲ ኣገልግሎት ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

፠ ናይ 2012 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መንነትን ፎቶ ኮፒ ምቕራብ የድሊ።፠ ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 20 ጥሪ 2014 ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ።፠ ሳንዱቕ ጨረታ ንጽባሒቱ 21 ጥሪ 2014 ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቤ/ጽሕፈት ቁ.20 ይኽፈት።፠ መኽበሪ ጨረታ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ናቕፋ ዝተረጋገጸ ቸክ (CPO) ይተሓዝ።፠ ተወሳኺ መግለጽን ዝርዝራዊ ሓበሬታን ኣብ ሚ/ትምህርቲ ቤት ጽሕፈት ቁጽሪ 20 ወይ ብቴሌፎን 200595/123749 ተወከሱ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

Page 7: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 7

VACANCY ANNOUNCEMENT The Housing and Commerce Bank of Eritrea wants to employ qualified Personnel who fulfill the under stated criteria for the following posts. 1. Number Required. ………………………….Two2. Job Title ………………………………………. Bank Clerk a) One for Ghindae Branch b) One for Mendefera Branch 3. Qualification required…………………… .. High school complete 4. Additional Skill ……………………………… Computer Operations 5. Salary & Benefits …………………… …….. In accordance with the Bank’s scale. 6. Age……………………………………………… Up to 40 years 7. National Service……………………………….Completed or exempted8. Place of Assignment…………………........ Ghindae or Mendefera

Interested candidates are hereby invited to submit their written applications plus C.V and related credentials to the Human Resources Department within 10 days from the date of this announcement.

Housing and Commerce BankP.O. Box 235

Telephone 120350Asmara

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል 4 ኣስመራ

ኣቶ ወልደገርግሽ ተስፋዝጊ መሓሪ፡ ወድና እዮብ ወልደገርግሽ ተስፋዝጊ ስለዝተሰውአ፡ ውላድ እውን ስለይገደፈ ዘይተመርዓወን ወረስቲ ንሕና ወለዱ ኣቶ ወልደገርግሽ ተስፋዝጊን ወ/ሮ ሓዳስ ዘርኡን ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/1/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሚለ በየነ መብራህቱ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ዘርእማርያም በረኸትኣብ ብሕጋዊ መውስቦ ኣብ ኣስመራ ተመርዒና ን12 ዓመት ዝኣክል ከም ናይ ሕጊ ሰብኣይን ሰበይትን ኣይንፋለጥን ኢና ብሂወት እንተልዩ ባዕሉ ወይ ወኪሉ ተጸዊዑ ይቕረበለይ ስለዝበለት፡ ን6/2/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብዘየለወሉ ናይ ፍትሕ ውሳነ ክወሃብ ምዃኑ ንሕብር።

ጉዖይ ኪዳነ ተኪኤ፡ ሓፍትና ሓጎሳ ኪዳነ ተኪኤ ስለዝሞተት፡ ውላድ ውን ስለዘይገደፈት 3 ኣሕዋታ ወረስታ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/2/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

ወ/ሮ ብስራት ዮውሃንስ ዑቕባዝጊ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ሓድጉ ቢሆን ብሩ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም

ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/1/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ድባርዋ

ከሳሲ ኣቶ ሰለሙን ክፍለ ወራሲ ናይ ወላዲት ኣደኡ ወ/ሮ ሳራ ደመር ወልደጋብር ኮይኑ፡ መዋርስቱ ዝኾነት ሓፍቱ ወ/ሮ ግደይ ካሕሳይ ነባርነታ ኣብ

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ንጹር ኣድራሻ ካብ ዘይህልዋ ነዊሕ ግዜ ስለዝገበረት፡ እሞ ነዚ ክልቲኦም የሕዋት ብውርሻ ዝብጽሖም ንብረታ መዋቲት ወላዲቶም ምንብባር መታን ክግበር ተኸሳሲት ወ/ሮ ግደይ ካሕሳይ ተጸዊዓ ን31/1/14 ኣብ ቤ/ፍ ትቕረብ። እንተዘይቀረበት ግን ቤ/ፍ ንሳ ኣብ ዘየለወትሉ ጉዳያ ክርእዮ ከምዝኾነ የፍልጥ።

Page 8: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 8

መበል 117 ክፋል

በዓል ወጻኢኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተበገሰ ዕላል

ሃንደበት ስቕታ ክጉልብቦ እንከሎ፡ ክልቲኦም ነቲ ኲነት ዝተቐበሉ ይመስሉ ነበሩ። መርሃዊት ንዓዲ ኢላ ምስ ከደት ደሃይ ምጥፍኣ ንቢንያም ዘሻቐለ ተርእዮ’ዩ ነይሩ። ብዘይካ ‘ዓዲ በጺሐ ክመጽእ’የ’ ድማ ካልእ ተወሳኺ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣይነበረን። ዓዲ መርሃዊት’ውን ቢንያም ዝፈልጦ ኣይኮነን። “ኣነስ ባዕላ ትመጽእ ኮይኑ ይስማዓኒ።’’ ሃንደበት ነቲ ነጊሱ ዝነበረ ስቕታ ተስፋ ብዝገልጽ ዘረባ ኤርሳኖስ ሰበሮ። “እንታይ ኮይና እያ’ሞ ሃንደበት ክትጠፍእ። ምሳኻ ክትነብር ዘለዋ ባህጊ ዝተዓጻጸፈ’ዩ። ናይ ስድርኣ ተቛውሞ እንተኣጋጢምዋ’ውን ከይሓበረትካ ብዝኸደቶ ትተርፍ ኮይኑ ኣይስመዓንን።’’“እንታይ ድያ ኢላትኒ ቅድሚ ምኻዳ

መስለካ?’’ ክብሎ ዝደለየ ከም ዝጠፍኦ ርእሱ እናነቕነቐ ኣብ ሓሳብ ኣተወ። “ጉዳይና ብዙሕ መሰናኽል’ዩ ገጢምዎ ዘሎ። እቲ ጸገም ድማ ኣባይን ኣብ ኣዛሄርን’ዩ ዘሎ። ኣዛሄር ንሚልክያስ ክትምርዓዎ እንተኾይና ኣነ ንመርሃዊት ክምርዖ ኣይክእልን’የ። ምኽንያቱ፡ ሚልክያስ መርዓ ናይ ክልቴና እንተተፈጺሙ፡ ኣነን ኣዛሄርን ዳግማይ ከይንፋቐር ስግኣት ኣለዎ። እዚ’ዩ እቲ ጸገም።’’“ንስኻ ዲኻ ንመርሃዊት ትምርዓዋ

ንሱ ንኣዛሄር ዕድልኩም ክትርእዩ ዕጫ ዘይትገብሩ።’’ ብምባል ዋዛ ደርብዩ ስሓቐ። “ክሰግእ ድማ ሓቁ’ዩ። ሰብኣይ እንተርሒቑ ብዘይካ ስግኣት ካልእ ዝረኣዮ የብሉን። ሰበይተይ ወሰዱለይ ዝብል ሕማም’ዩ ከጨንቖ ዝነብር? በዓል ንስኻ ድማ ሓንሳብ ንዝደፈርኩማ ጓል፡ ከም ዕንባባ ክሳብ ጽገኣ ትውድእ ደጊምኩም ክትደፍርዋ ድሕር ኣይትብሉን ኢኹም። ግና ምስ ኣዛሄር ዝጥቀስ ርክብ ነይርኩም ድዩ? ተናኺፍካያ ትፈልጥ ዲኻ? ሓጋይ እናበልካ ትጽዋዓ ከም ዝነበርካ’የ ዝፈልጥ።’’ ስሓቐ።“ኣንታ ኣይትርስዕን እባ ኢኻ።’’

ቢንያም’ውን ዘኪሩ እናኽመስመሰ ርእሱ ነቕነቐ። “ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ስዒመያ ኣለኹ። ጣዕሚ ናይ ከንፈራ እውን ዝዝክሮ ኣይኮንኩን። ንሳ’ኳ ክንደይ መልኣኽቲ እናጠቐስኩ ምስ ለመንክዋ’ዩ። ሓጋይ እንተበሉኻኸ ጠሊ ዘይብሉ ሓጋይ’ምበር።’’ በለ፡ ኣዛሄር ከም ዝተራእየቶ ብስምዒት።ኤርሳኖስ፡ ዘረባ ናይ ዓርኩ ኣገሪምዎ

ከንፈሩ እናረምጠጠ ጠመቶ። “ኣነ ግና ዝገርመኒ ነገራት ኣሎ። ወዲ ዝደልዮ እንተዘይረኺቡ ንጓል ኣብ ምንእኣስን ኣብ ምቁንጻብን’ዩ ዝኣቱ፣ እንተረኺቡ’ውን ከምኡ ኣብ ልዕሊ’ታ ብፍቕሪ ተደሪኻ ድላዩ ክፍጽም ዘፍቀደትሉ ጓለንስተይቲ ብዕሉጋት ዘረባታት ክዛረብ ትሰምዖ። በዚ መንጽር’ዚ እዛ እንተረሓቐት ካብ ኣካልና ዘይትርሕቕ ጓለንስተይቲ እንታይ ክትከውን ኢና ንደልያ ዘለና?’’“ከም በዓል ኣዛሄር ጥንቅቕቲ!’’

ብምባል ስሓቐ። ናይ ልቡ ግና ኣይኮነን። ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝብሎ ዝነበረ’ዩ። ከም ኣዛሄር ገይራ ዘሕረቐቶ ጓለንስተይቲ የላን። ሕነኡ ዝፈደየ ስለ ዘይመሰሎ ድማ ሕርቃኑ ክሰክን ኣይከኣለን። “ድላየን ይኹና በጃኻ። ኣዛሄር ስለ ዝተጠንቀቐት ኣይኮንኩን ዝጸርፋ ነይረ። ናብ ምስሉይ ዝኸደ ባህሪ ነይርዋ’ዩ። ስለምንታይ ምሳይ ትዘውር ነይራ’ውን ክግምቶ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእታ ድማ ርኢኻያ ኢኻ። ብሓደ ከም ዝዘርና ዘኪራ’ውን ቀኒዓ ክትቀርበኒ ኣይፈተነትን። ምኽንያት ደርዲራ ከም ጌገኛ ቆጺራ’ያ ክትርሕቐኒ ፈቲና። እዚ’ዩ እቲ ምስሊቲ

ብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]

ዘብላ።”“እንታይ ደኣ ክትገብር ነይርዋ? ቀኒዓ

ንኻልእ ክትመርጽ ምዃና እንተትነግረካ ምተቐበልካያ ዲኻ? እዚ ስክፍታ’ዚ ናብዚ ዝፈጸመቶ ተግባር ደፊእዋ እንተኾነኸ?’’“ኤርሳኖስ ድማ ኩሉ ግዜ ክትሕለቐላ

ጥራይ!’’ ኢዱ ሰንድዩ ንዘረባ ዓርኩ ነጸጎ። “ኣይደልየካን’የ ዝበለተካ ጓል እንታይ ትብላ ዲኻ፡ ብሓይሊ ኣፍቅርኒ ይበሃል ድዩ?’’“ለባም እንተዄንካ ኣይትብላን። ግና

ሕጂ’ውን ብተግባር ከም ዘይትደልየካ ገሊጻትልካ ኣላ። ግና ንዝወሰደቶ ተግባር ኣይተቐበልካዮን። እንታይ ፍልልዩ ፈለማ ነጊራትካን ሕጂ ብተግባር ከም ዘይትደልየካ ምሕባራ?’’“ኦይ!’’ በለ ርእሱ ናብ ካልእ

ጠምዚዙ። “ካልእ ነዐልል በጃኻ።’’

***“እዚ

ስ ዲ ከ ም ቀ ደ ም ዘለኹ እንድዩ መሲልዎ!’’ ኣብ መንጎ ዕላለን ሳዶር ምስ ተላዕለ ሶልያና ብስምዒት ክትጻረፍ’ያ ተሰሚዓ። “እንታይ ድዩ ኢሉኒ መስለኪ?’’ ጽጉራ ንድሕሪት መሊሳ ብኣስታሕቃር ተፈሸኸት። “ብሓንሳእ ንሕደር!’’“እዋእ!’’ መቐረት ገሪምዋ ኣፋ ሓዘት።

“እንታይ ዓይነት ስዲ’ዩ እዚ ኣንቲ! ግና ድማ ስለ ዝለመደኪ’ዩ።’’ እቲ ጸገም ናይ መሓዝኣ ምዃኑ ንእግረ መገዳ ሓበረት። “ክብርኺ ዘይኮነ ነብስኺ ጥራይ’ዩ ዘገድሶ ነይሩ ማለት’ዩ። ናተይ ድማ ይገድድ ከቀራርበኩም ምድካመይ። እሞ እንታይ ኢልክዮ?’’“ዓሰርተ ሳዕ ክጋገ ኣንቲ መቐረት?’’

ዝቐደመ ህይወታ እናጠዓሳ መለሰት። “ድሕሪ ሕጂስ ተማሂረ’የ ጓለይ። ኣብ መወዳእታ ደኣ ኮይኑ’ምበር ልብን ሳዕርን እናሓደረ ከም ዝበቁል ፈሊጠ ኣለኹ። ደንጉየ ልቢ ኣብቁለ ማለት’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ነብሰይ ክትረክብ ማለት ዘበት’ዩ ኢለዮ። እንታይ ኢሉ ድዩ መሊሱለይ መስለኪ. . .’’ ኣዕሚቛ ብምስትንፋስ ስምዒታ ክተርግእ ፈተነት። ‘እቲ ዝነበረኪ ስለ ዝሃብክኒ እንታይ’ሞ ከይተርፈኪ’ዩ’ “ስዲ! ስዲ’የ ስዲ!’’ በለት መቐረት ዘረባ

ሳዶር ኣብ ስምዒት ኣእትይዋ። “ደሓን ኣብ መወዳእታ ምልባም ድማ ካብ ዓሺኻ ምንባር ይሓይሽ። ስለዚ ብዝሓለፈ ከይትጠዓሲ ጥራይ’የ ዝምዕደኪ።’’“ኣይጠዓስን’የ! ኣንቲ ሰይጣን ኮይኑ

እኳ ተራእየኒ።” ሳዶር ካብ ኣእምሮኣ ኣይወጸን። “ከመይ ገይረ’የ ምስዚ ደቂሰ ኢለ ብጣዕሳ ሕርር ኩምትር ኢለ።”

“መሓዛይ ጽልኢ’ውን ከም ፍቕሪ ዕዉር እኳ’ዩ። ሽዑ ብፍቕሪ ሕጂ ድማ ብጽልኢ ዓዊርኪ ትኾኒ። ኣብ መወዳእታ ብኸመይ ተፈላሊኹም?’’“ብባእሲ!’’ ኣሕጺራ መለሰት።

“ኣቑሑተይን ገንዘበይን ምለስለይ ክብል ድማ ሰሚዐዮ። ብነብሰይ ከም ዘይተጻወተ ንብረቱ ኣገዲስዎ። ማእከል ኢደይ ኣውጺአሉ ሓፍትኺ ግዲ! እንታዲኡ ክንጫዕ ደኣ!’’ ኣብ ቅድሚ መሓዝኣ ምንባራ ዝዘንግዐት ክትመስል ብሕርቃን ኣንጸርጸረት።“ስዲ ናይ ዓለም! ካልእ ዝበሃል ስኢንኪ

ዲ ኺ ንስኺኸ ማእከል ኢድኪ ኣውጺእክሉ? ኣንቲ፡ እዚ ናይ ደቂ ጽርግያ ተግባራት ዘይትገድፍዮ።’’ ስሓቐታ።

“ ግ ደ ፍ ዮ ጥ ራ ይ ናቱ’ዩ። ንሰብ በታ ተሕርቖ ጥራይ ኢኻ ክትመጾ ዘለካ። እንታዲኡ ጽቡቕዶ ኣለዎ’ዩ? ዘይፈልጦ ብዕልግና ዝመሃረኒ ንሱ እንዶ ኣይኮነን።’’ ሃንደበት ንብዓት ሰዓራ። እቲ ሃዋህው ድማ ካብ ዋዛ ናብ ዝንታ ተቐየረ። መቐረት ከይተረፈት ሕንቕንቕ ክትብል ተራእየት።

***ንጉዕዞ ዝኾኖ ባልጃኡ ክጠራንፍ እንከሎ

ቅሳነት ርሒቕዎ ኣብ ሰንፈላለ’ዩ ነይሩ። ብዘይካ ዓርኩ ሚልክያስ ካልእ ከፋንዎ ናብ ቤቱ ዝመጸ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክርከብ ተሓቢርዎ’ዩ። ‘እንታይ ኮይነ’የ ግና ቅሳነት ስኢነ?’ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዝነበረ መስትያት ገጹ እናተዓዘበ ሓተተ። ውሽጡ ብዝርብጽ ስምዒት መሊኡ ይሓማምሶ ከም ዝነበረ ይርድኦ ነበረ። ‘ጥንሲ የብለይን!’ ናይ ሶልያና ቃላት ኣብ ኣእዛኑ ደወለ። ‘ከመይ ኢሉ ይኸውን? ካብ ሲናይ ዝጠነሰቶ ከተልግበለይ ሓሲባ ነይራ ማለት ድዩ?’ ንፈለማ እዋን ዝሓሰቦ ሓሳብ ኣሰንቢድዎ ኣእዳው ጠሚሩ ኣብ ትካዘ ኣተወ። “ሚኪ ሓንሳብ እባ ምጽኣኒ” ነቲ ኣብ ሳሎን ዝነበረ ዓርኩ ናብ መደቀሲ መርሖ። ኣብ ሳሎን ኩሎም ስድርኡ ስለ ዝነበሩ ምስጢሩ

ክነግሮ ዝኽእል ኣይነበረን። “ሓደ ሓሳብ እንድዩ ደኣ መጺኡኒ?’’“ሕጂ ኣብ ምኻድካ ደኣ እንታይ

ክገብር ወደይ ሓሳብ መጺኡካ?’’ ተዋዘየ ዓርኩ። “እዛ ጉዕዞ ብሰላም ከይትውድኣ ክዓናቕፈካ ማለት ድዩ?’’“ሚኪ ትጻወት ኣለኻ? ሶልያና ካባይ

ከም ዘይጠነሰት ዝሓበረትኒ ጉዳይ ሽርሒ ከይሃለዎ ከም ዘይተርፍ’ዩ ዝእምተለይ ዘሎ።’’ ብትኹረት ጠመቶ። “እንታይ ግድኻ ካብቲ ዓርካ ዝጠነሰቶ ንዓይ ከተልግበለይ ሓሳብ ነይርዋ። ኣምላኽ ግና ባዕሉ ኣድሒኑኒ ኣሎ።’’“ከመይ ገይርካ ደኣ

ሕጂ ከምኡ ሓሲብካ?’’ ዝገረሞ ዓርኩ ዝርዝር ሓበሬታ ደለየ።“ጥንሲ

ኣ ለ ኒ ትብል

ነይራ። ሃንደበት

ኣይጠነስኩን ምባላ ደኣ መዓስ

ዘየጠራጥር ኮይኑ? ደቀስመራ ሰባባት ምዃነን እቶም

ዝፈልጥወን’ዮም ዝፈልጥወን። በዓል ንሕና ስለ ዘይንፈልጥን ከም ኲዕሶ ዝጻወታልና’ዩ ዝመስለን። ወዲ ወጻኢ ከም ኲዕሶ ዝቕላዕ ከም ዘይኮነ ግና ዝነግረን ኣይረኸባን።”“እሞ ጥንሲ የብለይን ካብ በለትካ

ዕዳ ቐለለ ኢልካ ጉዳይ መገሻኻ ጥራይ ዘይትገብር። ካባኻ ንላዕሊ እታ ዝያዳ ሓላፍነት ክትስከም ዝግበኣ ባዕላ’ያ። ምኽንያቱ፡ ኣደና ዝሃበትና ኣቦ ኢና ተቐቢልና ብእምነት ንነብር ዘለና። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓቂ ኣሎ ድዩ?’’“ንሱ ሓቅኻ ኣለኻ። እዛ ሰብ እዚኣ

ግና ኣነጺላቶ ከይትኸውን’የ ጥርጠራ ሓዲሩኒ ዘሎ። ፍረ ዘርአይ ክትቀትል ድማ ይስማዓኒ’ዩ፡ ክተነጽሎ?’’“ተነጽሎ!’’ በለ ሚልክያስ ቅልጥፍ

ኢሉ። “እንተነጸለቶ እንታይ’ዩ ጸገምካ?”“ኣንታ ሚኪ፡ እንታይ ኢኻ ዘይከውን

ዘረባ ትዛረብ ዘለኻ? ፍረ ናይ ዘርአይ ከተበርዕን መዓስ ጽቡቕ ኮይኑ። ዝኾነ ኮይኑ ንዘረባ’የ ኣምጺአዮ’ምበር ድሕሪ ሕጂ ምስኣ ርክብ ዘለኒ’ውን ኣይኮነን። ግና እቲ ግብራ የሕርቐካ። ነዚኣ ክምርዖ ምሕሳበይ ይገርመኒ ኣሎ። ኣምላኽ ግና ምሒሩኒ።’’

*** “ሓደ ነገር እንድየ ክነግረኪ ደልየ’’

ሶልያና ንብዓታ ሓንሲሳ ኣድመጸት። “ግና ንማንም ከይትነግርለይ ቃል ክትኣትውለይ ኢኺ።” ተማሕጸነት። ኣብ ልባ ዝሓዘቶ ንመዓልትታት ዝኸደ ምስጢር ሽዑስ ከተንፍሶ ደልያ ነበረት።

“እንታይ’ዩ?” ኣብ ገጽ መቐረት ሃንደበትነታ ዘርኢ ስምዒት ተነበበ። ‘እንታይ’ያ ክትብለኒ’ ዝብል ሓሳብ ሓዲርዋ ነበረ። “ንተኣማመን መሓዙት ስለ ዝኾና ቃል ክንተኣታቶ ዘድልየና ኣይመስለንን። እንተኣሚንክኒ ንገርኒ እንተዘይኮነ ድማ ካብ ቃል እተውለይ ትብልኒ ኣይኣምነክን’የ ክትብልኒ ይሓይሽ።’’ በለታ ዕትበት ብዘለዎ ቃና። ናይ መሓዝኣ ምሕጽንታ ‘ኣይእመንን’የ’ ዘብል ስምዒት ፈጢሩላ ነበረ።“ጥንሲ የብለይን ዝበልኩኺ ሓሶት’ዩ።’’

ተናዘዘት። “ካብ ሳዶር ጥንሲ ኣለኒ።’’ መቐረት በቲ ዝሰምዓቶ ዘረባ ኣማዕቲባ ንኣምላኻ ኣመስገነት።“ሰብ ምቕታል ሓጥያት’ዩ ሶሊ ሓብተይ።

ብሓቂ እንቋዕ ሕማቕ ኣይሓሰብኪ። ዝኾነ ፍጡር ናብዚ ዓለም ክመጽእ እንከሎ ናቱ ዕድል ሒዙ’ዩ ዝመጽእ። ገለ ስድራቤታት ቈልዓ ምስ ኣምጽኣ ህይወተን ክመሓየሽን ካብቲ ዝነበርኦ ክጽብቕን ንርእዮ ኢና። ናትኪ ዕድል ስለ ዝጸልመተ ናይቲ ቈልዓ’ውን ክጽልምት’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ህይወት ንነብሲ ወከፍና ትፈጥሮ ብርሃን ካብ ዘይምፍላጥ ዝበገስ’ዩ።’’“እዚ ጥንሲ ንሲናይ ክህቦ’የ ዝደሊ

ዘለኹ’’ ዝደርበየቶ ዘረባ ሃንደበትን ዘይተዳለወትሉን ይምሰል’ምበር ንመዓልትታት ድቃስ ከሊእዋ ዝነበረ’ዩ።“እዋእ!’’ ኣብ ገጽ መሓዝኣ ስንባደ

ተራእየ። “ዘይናቱ ቈልዓ ከተሕቁፍዮ? እዚ ደኣ ካብቲ ሰብ ምቕታል እንታይ ዝፍለ ኣለዎ? ንዘልኣለም ሓሲኻ ኣይንበርን’ዩ መስለኒ። ስለምንታይከ ክሳብ ብህይወት ዘለኺ እናሳቐየ ዘንብረኪ ሕማቕ ተኽሊ ኣብ ውሽጥኺ ተጽድቒ? ኣነ ክትፍጽምዮ ዘይብልኪ ጌጋ ስራሕ ምዃኑ ጥራይ’የ ዝሕብረኪ።’’“ኣማራጺ የብለይን! ስለ ዝኣምነኪ’የ

ዝነግረኪ ዘለኹ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ምስ ሲናይ ርክብ ፈጺምና ስለ ዘለና ንዕኡ ከልግበሉ ወሲነ ኣለኹ። ስለ ዝፈትዎ ድማ’የ ኣቦ ወደይ ክኸውን መሪጸዮ ዘለኹ።’’ ሓሳባ ከም ዘይተቋርጽ ኣንፈተትላ።“እንታይ ኢኺ ትብሊ ጓለይ!’’

መሓዝኣ ምውሓጥ ኣበያ። ብሶልያና ዘይኮነት፡ በቲ ገና ንዓለም ዘይረኣየ ዕሸል ትሓስብ ነበረት። “እንታይ እዋንኪኸ ደኣ ኣርኪብኩሉ? ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ ትኸዲ ዘለኺ ይመስለኒ ኣሎ። ጌጋ ግና ክትእርሞ ጥራይ’ዩ ዘለካ’ምበር ብጌጋ ክትድብሶ እንተዄንካ ናብ ዝገደደ ጸገም’ዩ ዘእትወካ። ክሳብ መዓስ እዩኸ ንውላድኪ ዘይኣቦኡ ሂብክዮ ክትቅጽሊ?’’“ንስኺ ጥራይ ኣፍኪ ሓዝለይ

መቐረት።” ዝቐረበላ ሕቶ ክትምልሶ ኣይደለየትን። “ኣነ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ሓሲበን ገምጊመን ክወስዶ ተበጊሰሉ ዘለኹ ስጉምቲ’ዩ።’’“ድላይኪ ግበሪ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ግና

ሓደ ነገር ክብለኪ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ኣነ ተሰካሚት ናይ ጸገምኪ ክኸውን ስለ ዘይደሊ ድሕሪ ሕጂ ጽቡቕ እምበር ሕማቕ ከይትነግርኒ ሓደራኺ።’’

ይቕጽል

Page 9: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሸባብሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 -ገጽ 9

መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ንክዀኑ. . .?

ልዝብ ሸባባት ብደሞዝ ጸጋብርሃን

“ሓደ መንእሰይ ዕዉት ተማሃራይ ክኸውን ዘካይዶ ጻዕሪ።ተወፋይነት። ንድሕሪት ሰሪዕና ትርጉም ትምህርቲ ብዓሚቚ ክፈልጥ ኣለዎ” ሰሚር መሓመድ

መንእሰያት ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዕዉታት ኰይኖም ክወጹ፣ ኪንዮ’ቲ ክጽዕሩ፣ መምህር ክሰምዑ፣ ክሓቱን ምሉእ ቀረባት ክረኽቡን ዝብል ዘረባታት ትርጉም ትምህርቲ ኣብ ልቦም ክሓድር ኣለዎ ዝብል ምሉእ መረዳእታ ኣሎኒ። ምኽንያቱ፣ ሓደ መንእሰይ ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳቱ ዕዉት ክኸውን ብዛዕባ እቲ ነገር ዓሚቕ ኣፍልጦ ክህልዎ ኣለዎ። ስለ’ዚ መንእሰያትና ትርጉም ትምህርቲ ኣብ’ዚ በጺሕናዮ ዘለና መዋእል ክሳዕ ክንደይ ወሳኒ ከም ዝዀነ ክፍለጥ ዘለዎም እመስለኒ። እዚ ምስ ተረጋገጸ’ዩ እንታይ እንተገበርኩ’የ ነቲ ዝደልዮ ዘለኹ ሽቶ ክወቅዕ ዝኽእል ኣብ ዝብል ሜላ ንመጽእ። እዚ ኸኣ ትርጉም ትምህርቲ ፈሊጥና ድሌት እንተወሲኽናሉ ዕዉታት ኴና ዘይንወጻሉ ኣብነት የለን፣ ንኣብነት ኣብ ገለ መንእሰያት “ምዕባየይ ማስተር ኣቢሉ’ኳ ዝጠቅም ደሞዝ ዘይብሉ፣ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ዋጋ የብሉን” ዝብሉ ኣለዉ። ነዚ ነብሰ-ምትዕሽሻው ኢለ ጥራይ’የ ክሓልፎ ዝደሊ። ምኽንያቱ፣ ንዓይ ስፍሓት ኣእምሮይ፣ ደረጃ ብቕዓተይ’ምበር ቅድመይ ዝተማህረ እንታይ ተኸፊሉ ኣይተኸፍለን ዘገድሰኒ ኣይኰነን። ብኸም’ዚ ዝጥመት እንተዀይኑ’ሞ መወዳእታኡ ትምህርቲ ፍልጠትካ ኣስፊሕካ ምዕቡል ህይወት ክትመርሓሉ ዘይኰነ፣ ገንዘብ ጥራይ ክትረኽበሉ ኣብ ዝብል መርገጺ’ዩ ዝኸይድ። ትምህርቲ ግና ገንዘብ ዘይኰነ፣ ማሕበራዊ ህይወት ብጥበብ ንኽትመርሕ ካብ ዝሕግዝ ዓቢ መሳርያ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ከም ሰሚር፣ መንእሰይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዕዉት ክኸውን እንተዀይኑ፣ ብመንግስቲ ዝፍጠር ዕድላትን ቀረባትን፣ ብውልቑ ዝግበር ጻዕርን ተወፋይነትን ብድሕሪት ሰሪዕና ትርጉም ትምህርቲ ብደቂቕ ክፈልጥ ኣለዎ። ነዚ እንተፈሊጡ ናብ’ቲ ዝኣመነሉ ዓውደ ትምህርቲ ዕዉት ንክኸውን ዝጥቀመሎም ሜላታት ኣይክጠፍእዎን እዮም።

“መንእሰያትና ዕዉታት ንክዀኑ፣ ዘሎና ብድሆታት ብዘየገድስ መምሃራን ብምሉእ ሕልና

ምስ ንውፈ ጽባሕ ንግሆ ከሐጉሰና ምዃኑ’የ ዝኣምን”

ዳህላክ ክብረኣብ

ኣምላኽ ነቶም ንነብሶም ዝሕግዙ’ዩ ዝሕግዞም ይበሃል እዩ። ካብ ሓቂ ዝወጸ’ውን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፣ ሓደ ተማሃራይ ዕዉት ክጽዋዕ እንተዀይኑ፣ ቀዳምነትን ልዕሊ ኹሉን ንነብሱ ንሱ ባዕሉ ምስ ዝሕግዛ እዩ። ተማሃራይ ባዕላዊ ወይ’ውን ውሽጣዊ ተበግሶ ክሳብ ዘይሃለዎ ብወለዲ ኰነ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓገዝ ከም ጻዕሪ ኤሳው ከንቱ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። ዝዀነ ሰብ ንነብሱ ከየፍቀረ ካልእ ልዕለኡ ዘፍቅረሉ ብቕዓት ክሳብ ዘይሃለወ ቀዳምነት ንነብሱ ክሕግዛ ነቶም ከዐውትዎ ዝኽእሉ ነገራት ከተግብር ከም ዝኽእል ከእምና ኣለዎ። ከም ካልኣይ ደረጃ’ውን ዘይተማህረን ዝተማህረን ሓደ’ዩ ዝብል ናይ’ዚ ዘመን ደናቁር ፈላስፋታት ዝጥቀምሉ ካብ ርእሲ መንእሰይ ክእለ ኣለዎ። ትምህርቲ ዘይበላሾን ዘይነቕዝን ስንቂ ህይወት እዩ። በዚ ኸኣ ንኹሉ መሰናኽል ሸለል ኢልና ነቲ ጽባሕ ዝመጽእ ባና ዓወት ኣማዕዲና ንመሃር እንተዀይና ካብ’ዚ ንላዕሊ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ መንገዲ ኣሎ፣ ኢለ ኣይኣምንን እየ። መሰረታዊ እቲ ተማሃራይ ውሽጣዊ

ተበግሶ ምስ ገበረ፣ ኣብ ካልእ ወገን ሓገዝ እንተደለየ ኣየኽፍእን እዩ። መንግስቲ’ውን ብወገኑ ኣብ ትምህርቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት

ብቐሊል ዝርአ ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ኩሉ ዓውዲ-ትምህርቲ ነናቱ ኮለጅ ወኒኑ ማለት ዘይከም ቀደም ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተጨቓጪቐን ዝነበራ፣ ናጽነተን ኣውጀን ክትርኢ ኣብ ምዕዋት ሓደ መንእሰይ ዓቢ ኣፍደገ እዩ። ኣብ ላዕለዎት ትካላት ኣብ ማእከላይን 2ይን ደረጃ እተወሪድና ግና ብጣዕሚ ዘሰክፍ ሃዋሁ ኢኻ ትዕዘብ። ንሱ ኸኣ ጉዳይ መምሃራን እዩ። ተማሃራይ መሰረት ዓወቱ መባእታ፣ ማእከላይን 2ይን ደረጃ እዩ። ኣብ’ዚ እንተሰኒፉ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ዝኸውን ብቕዓት ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። እዚ ምዃኑ ተረዲእና መምሃራን ግዜኦም ወፍዮም ልዕሊ’ቲ ንሶም ዝበጽሕዎ ክንበጽሕ ብሩህ ሕልሚ ከንብሩ ክኽእሉ ኣለዎም። መምህር ባዕሉ ይፈልጥ እንተኢሉ፣ ተማሃራይ’ውን ተስፋ ክቈርጽ ግድን እዩ። ስለ’ዚ መምሃራና’ውን ዘለና ብድሆታት ብዘየገድስ ተጊህና እንተመሃርና ንሃገርናን ዜጋታትናን’ዩ፣ ጽባሕ ንግሆ ኸኣ ከሐጉሰና ምዃኑ’የ ዝኣምን።

---“ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን”

ቅሳነት የማነ መንእሰይ እዛ ሃገር እቲ ዝነኣሰ ኣካል

ሕብረተሰብ ኰይኑ፣ ኣብ ኩሉ ጽላት ናይ’ዛ ሃገር(ጽላት ህንጻ፣ ፓለቲካ፣ ታሪኽ፣ ማሕበራዊ ኩነት፣ ሰብኣዊን ዕዮኣዊን ድሕነት፣ ምክልኻል ሃገር ወዘተ. ግቡኡ ይፍጽም ኣሎ። ዓለምና ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ሳላ ስሉጥ ዝዀነ ቴክነሎጂካዊ መሳርሒታትን ትምህርትን እዩ። ነቲ ትምህርቲ ቀሊሱ ክምህዝን ክሰርሕን ዝኽእል እቲ መንእሰይ እዩ። ትምህርቲ ማለት ኣብ ዓለም ክትሰርሓሉ፣ ክትምህዘሉን ዝተፈላለዩ ነገራት እትእክበሉን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ነጻ-ዕድል እዩ። ካብ ዘቐመጥናዮ፣ ከም ወርቂ ክስረቕ ዘይክእል፣ ልዕለኡ በርኸትን ዕማምን ኣለዎ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ መንእሰይ ኣብ ዓለም ዓቢ ተራ ከምዝለዎ ርዱእ ኰይኑ፣ ተዘካሪ ስራሕ ከትርፍ ኣብ ትምህርቲ ንፉዕን ኣድማዕን ክኸውን ኣለዎ። ዕዉት ንኽኸውን ክገብሮ ዘለዎ። ቀዳማይ ብኹሉ መዳዩ (emotionally,mentally,physically,biologically) ድሉው ክኸውን፣ መምህር ኣብ ዝምህረሉ ግዜን ሰዓት ብጽሞና

ክሰምዕ፣ ንዘይተረድኦ ብቐጥታ ክሓትት፣ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ከንብብን ክውከስን፣ ቴክነሎጅካዊ መሳለጥያታት ክጥቀም፣ ኣድማዕቲ ዝዀኑ ነገራት ክፈሊ ብፍላይ ግዜን ቦታን ክመርጽ፣ መዓስ’የ ዘጽንዕ፣ ዝዘናጋዕ፣ ዝሰርሕ ዝብል ስሩዕ መደብ ከውጽእ፣ ኣድማዒ ዝዀነ ውሳነ ክወስድ ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ ትምህርቱን ስድራቤት ትምህርትን ስነ-ስርዓት ክገብር ኣለዎ። ምኽንያቱ፣ ድስፕሊን እቲ ዝዓበየ ናይ ህይወትን ትምህርትን መንገዲ ስለዝዀነ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ መንእሰያት ትምህርቲ

ዘጽልእ ጽልዋታት ይመጽእ ኣሎ። ንኣብነት ንሕማቕ ዝዕድም ኣከዳድና፣ ፋሉል ኣካይዳ፣ ብፍቕሪ ናብ ዘይተደልየ ግርጭት ምእታው፣ ምምቕቓል ሃይማኖት፣ ፍኑው ጾታዊ ርክብ፣ ሽጋራ፣ መስተ፣ ካብ ሰብ ምድላይ፣ ሓሶት፣ ዘይንስኻ ምምሳል ወዘተ. እቶም ቀንዲ ረቋሒታት

እዮም። እዚ ድማ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነፍስ ዘሎ ሕማቕ ንፋስ እዩ። መንእሰይ’ውን ነዚ ሪኡን ሰሚዑን እቲ ንዕኡ ኣብ መዳያዊ ትምህርቱን ካልእ ማሕበራዊ ህይወቱን ብእወታ ክጸልዎ ዝኽእል ፈላልዩ ክጥቐመሉ ኣለዎ። ምስ ምዕባለ ክጠፍእ ናይ ትምህርቱ ወኒ ከጥፍእ ዘይኰነ ኸኣ ካብ ኢንተርነትን ካልእ መሳለጥያታትን ፍልጠትን ተመክሮታትን ብምእካብ ንነብሱ ከማዕብልን ፍልጠቱ ከስፍሕን እዩ ዘለዎ። ኣብ ስምዒታዊ ነገራት ከም ፍቕሪ ዝኣመሰሉ ነገራት እንተርኢና ድሕሪ ትምህርቲ ብዝያዳ እንተተመርጸ ይሓይሽ በሃሊት እየ። ኣብ ግዜ ትምህርቲ እንተዀነ’ውን ንትምህርቲ ቅድሚ ፍቕሪ ክትሰርዖ ግዜን መዓልትን ክትህቦ ይግባእ። ብኣውራኡ’ውን ኣብ ጥዕናዊ መዳያት ክጥንቀቅ ይግባእ። ንኣብነት HIV እቲ ክሳዕ ሕጂ መንእሰያት ዘህልቕ ዘሎ ዘይደናገጽ ሕማም እዩ። ነዚ ተረዲእና ጥንቁቓትን ቁጡባትን ክንከውን ተመራጺ እዩ። ንዝመጹ ማሕበራዊ ብድሆታት’ውን ኢድና ክንህብ የብልናን። ኣብ ዓለም ብዙሓት ዓበይቲ ጸገማት ክጎንፉና ይኽእሉ እዮም። ዕዉታት ክትከውን ግና ነቲ ጸገም መፍትሒኡ ከነናዲ ኣለና።መንግስቲ ኤርትራ ትርጉም

ትምህርቲ ክሳዕ ሕጂ ልዑል ወጻኢ ገይሩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ ኣሎ። ነቲ መንግስቲ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዘፍስሶ ወጻኢታት’ውን ክንርድኦ ክንክእል ኣለና። መወዳእታኡ መንግስቲ ዝድጐሞ ትምህርታዊ መሳለጥያታት ዕዳማ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ነዚ ፈሊጥና ሓላፍነታውያን ብንኸውን ኢና ኸኣ ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ኴና ንወጽእ። ምዝኽኻር ዘድልዮ ግና ምስ’ዚ ዘሎ ምዕባለ ነቲ ተማሃራይ ዝያዳ ከፍጥንዎ ዝኽእሉ መሳለጥያታት ምቕራብ’ውን ተራ መንግስቲ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዘበራትዕ ረቀቕቲ መሳርሒ፣ ዓይነታውን ኤለክትሮኒካውን ቀረባት ክፍጠር፣ ነጻ ናይ ምብህሃል ዓውዲ ክኽፈት፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተማሃራይ ክዕግዝ ዝኽእል ናይ ጽሑፋት መድረኽ ክኽፈት፣ እዋናዊ ሓበሬታ ጋዜጣ፣ መጽሔት ካልእ ናይ ሜድያ መሳርሕን ከም ዝበዝሖ ምግባር ወዘተ. ሓደ ሓጋዚ ረቋሒ እዩ። ተማሃሮ’ውን ኣብ ነሓድሕዶም ሓያል ናይ ምብርታዕን ምድፍፋእን መንፈስ ብመንገዲ ክትዕ፣ ፕረተንሽን፣ ትምህርቲ መዛኑ፣ ኢዲከሽን ሜላ ዝኣመሰሉ ክፈጥር ኣለዎ። ነዚ ኸኣ እቲ ክፍሊ ትምህርቲ ከም ካሪክለም ክሰርሓሉን ከተባብዖን ይግባእ። ነዚ ክንርዳእ ግና ሓደ ነገር ከድልየና እዩ። ንሱ ድማ ተማሃራይ ብዝግባእ

ክጥቀመሉን ክጽዕረሉን፣ ኣድማዒ ዝዀነ ኣጸናንዓ ክገብርን ክተዓጻጸፍን፣ ግዜን ቦታን ክፈሊ፣ ለባም ዝዀነ ውሳነ ክወስድ ምሉእ ሓላፍነት ክስምዖ ኣለዎ። ድሕሪ ሓላፍነት’ዩ እዚ ኹሉ ክንብሎ ዝጸናሕና ዕዉት መንእሰይ ከጸውዖ ዝኽእል።

“ካብ ዓሳ ገፊፎም ዝህቡኻ። ኣገፋፍ ዓሳ ክምህሩኻ ይሓይሽ”

ምስ መሓዛይ ክንምሸጥ ኢልና ኣብ ሓንቲ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ዝብል ታቤላ ዝተሰቕላ ሳሎን ኣቲና። ምስ ኣተና ጓል 9 ዓመት ቈልዓ’ያ ተቐቢላትና። ክንፍሸጥ ምዃና ምስ ሓቢርናያ፣ ንውሽጢ ኣትያ ክዳን ቀይራ መጺኣትና - ተገሪምና። “ንስኺ ዲኺ ትምሽጥና” ሕቶ ኣቕረብናላ? ትቕብል ኣቢላ፣ “እሂ ደቂቐክን ድየ” መለሰት። ብመልሳ ተደኒቕና “ንስኺ ደኣ ክትምሸጢ’ምበር ክትምሽጥስ ደረጃኺ ኣይኰነን” ደገምናላ። መሳርሒኣ እናቀራረበት “ኣብ ዓለም ኩሉ ነገር ቀሊል እዩ። ይኽእሎ’የ እንተኢልካ ጥራይ’ዩ ግና” ድማ በለትና። ካብ’ዛ ዛንታ ንማሃሮ እንተልዩ፣ ትምህርቲ መፍትሕን ብርሃንን ናይ ዘልኣለም ህይወትና ምዃኑ ፈሊጥና ብትምህርቲ ዕዉታት መንእሰያት ክንከውን ኣለና፣ እንተ’ልና ካብ ዓወት ዝዕንቕጸና ሓይሊ ፍጹም የለን።

Page 10: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 10

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

ዘይቱንዘይቱን ሓደ ካብቶም

ፍሉጣት ፍረታት እዩ፣ ብዘይካ ኣብ ክረምቲ ዳርጋ ምሉእ ዓመት ኣብ ፍረ ገረብ ይርከብ፣ ዘይቱን ሓደ ካብቶም ሓያል ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘሎዎምን ብተዛማዲ ትሑት ክንክን ብምግባር ምህርቲ ዝህብን ዓይነት ፍረታት እዩ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘሎዎ ከባቢታት ይበቍል፣ ተኽሊ ዘይቱን ንኽለምዕ ካብቶም ብተዛማዲ ንድዅዒ። ማይ። ምክልኻል ባልዓትን ሕማማትን ትሑት ወጻኢታት ዘድልዮም ኣግራብ ፍረታት ስለ ዝኾነ። ሓደ ካብቶም ምንጪ ቫይታሚንን ማዕድናትን ብምዃን ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዓቢ እጃም የበርክት፣

ዝሰማምዖ ኣከባቢ

ዘይቱን ኣብ ክሊ ቆላውን ሓውሲ ቆላውን ከባቢታት ክሳዕ 1800 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይሰማምዖ፣ ዝበለጸ ዓይነት ዘይቱን ንኽርከብ ግና ኣብ እዋን ዛሕሊ ናይ ለይቲ ደረጃ ሙቐት 10 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ምስ ዝኸውን እዩ፣ እንተኾነ ልዑል ሙቐት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እውን ኣሎዎ፣

ሓመድ

ንዘይቱን ዝሰማምዖ ዓይነት ሓመድ። ዱኻ። ሓውሲ ዋላኻ። ዋላኻ። ሑጻን ሓውሲ ሑጻን እኳ እንተኾነ። ብፍሉይ ግና ቀይሕ ሓመድ ወይ ከኣ ጸሊም

ዱኻ ሓመድ ይሰማምዖ፣ እቶም ዝበዝሑ መገብቲ ሰራውር ናይ ዘይቱን ኣብቲ ላዕለዋይ ቀጸላ ማለት ኣብ ከባቢ 25 ሰ.ሜ ዕምቈት ይርከቡ፣ ስለዚ። እቲ ላዕለዋይ ቀጸላ ሓመድ ብባህርያዊ ድዅዒ ዝሃብተመ ክኸውን ይግብኦ፣

ዓሌታት

ክሳዕ ሕጂ ከርሱ ወይ እቲ ዝብላዕ ክፋሉ ጻዕዳን ቀይሕን ኮይኑ። ዘርኢ ዘሎዎን ዘይብሉን። ሽኮራውን ውሑድ ሽኮር ዘሎዎን ወዘተ. ተባሂሉ ይኽፈል፣

ምርባሕ

ዘይቱን ብሓፈሻኡ ብዘርኢ ይራባሕ፣ ኣብ ዝተመሓየሹ ዓሌታት ግና ብምክታብ ክራባሕ ይኽእል፣

ኣተኻኽላ

ኣተኻኽላ ዘይቱን ብመስመር/ ነግሒ 6 ብ 6 ሜትሮ ክትከል ይከኣል፣ እዚ ከምቶም ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ዓበይቲ ዓሌታት ዘይቱን ማለት እዩ፣ ድቕቕ ዝበሉ ዝተመሓየሹ ዓይነታት ዘይቱን ድማ ኣለዉ፣

• ፍረጓለ ዘይቱን።- ካብ ናይ ሃገርና ዓሌታት ዝነኣሰ እዩ፣• ኣናናስ ዘይቱን።- ዕብየቱ

ከም ፍረጓለ ተመሳሳሊ እዮም፣ እዞም ክልተ ዓይነታት ዘይቱን 3.5 ብ 3.5 ሜትሮ ተረሓሒቖም ይትከሉ፣

ክንክን ተኽሊ

ንኣገባብ ምድኳዕ ተኽሊ ዘይቱን ምስ ክኢላ ሕርሻ ምምኻር የድሊ፣ ሓፈሻዊ ክንክን ብዝምልከት። ተኽሊ ዘይቱን ምስ ተተኽለ። ከይደንጐኻ ሓደ ሜትሮ ሰንጣቒት ዘሎዎ ጋብላ ይስርሓሉ፣ እቲ ገረብ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ድማ እቲጋብላ’ውን ምስኡ እናዓበየ ይኸይድ፣ በብግዚኡ ድማ ጻህያይ ክእለ ይግባእ፣

ቀምቃም

ተኽሊ ዘይቱን ምስ ተተኽለ። ኣብተን ቀዳሞት 3-4 ኣዋርሕ። ቀምቃም ክግበረሉ ይግባእ፣ እዚ ድማ ብንእሽቶኡ ብትሑት ወጻኢታት ልዑል ደረጃ ዘሎዎ ፍረ ንምርካብ ይሕግዝ፣

እቶት

እቲ ፍረ ናብ ብጫ ሕብሪ ምስ ዛዘወ ኣኺሉ ይብሃል፣ ትሕዝቶ ቫይታሚን ናይቲ ፍረ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ። እቲ ፍረ ኣብቲ ገረብ ከሎ ምስ ዝበስል እዩ፣ብሓፈሻ ተኽሊ ዘይቱን ኣብ

ሳልሳይ ዓመቱ ካብ 120-220 ኩንታል ኣብ ሓደ ሄክታር ፍረ ይህብ፣ ጽቡቕ ኣብ ዝተሰማምዖ ዘይቱን ኣብ ሓደ ገረብ ክሳዕ 40 ኪሎ ግራም ምህርቲ ክረብ ይከኣል፣ ኣዝዩ እንተ ተሰማሚዕዎ እውን ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ይፈሪ፣

ኤርምያስ ኣስመላሽላዕለዋይ ክኢላ ልምዓት

ኣትክልቲ (ሚ/ሕርሻ)

ካብ ዓይነታት መረቕ

ዓቐን።-- 1 ንእስ ዝበለ ካውሎ ካቡቺ- 1 ኺሎ ቀይሕ ሱር- ክልተን ፈረቓን ሊትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ- 1 ዓቢ ሽጉርቲ ቀይሕ ብደቂቕ ዝተመትረ- 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም- ፍርቂ ኩባያ ፎርማጆ- 8 ባኒ ብኸቢብ ዝተመትረ- 3 ማንካ ሻሂ ማርጋሪን- 3 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ- 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጕርቲ ጻዕዳ- 1 ኩባያ ጽማቝ ኮመደረ

ኣገባብ

ነቲ ካውሎ ብደቂቕ መቲርና። ሓጺብና ካብ ማዩ ነጽፍፎ፣ ነቲ ቀይሕ ሱር ከኣ ቀሪፍና ብደቅቕ ንመትሮ፣ ቀጺልና። ካውሎ። ቀይሕ ሱር። ሽጉርቲ ቀይሕ። ሽጉርቲ ጻዕዳ። ፐርሰሜሎ። ጽማቝ ኮመደረ። ማርጋሪን። ብሓንሳብ ሓዊስና በቲ መረቕ ጌርና ንስኽትቶ፣ ኣጸቢቑ ምስ በሰለ ብማንካ ጌርና ኣድኪምና በርበረ ጸሊም ነስኒስና ኣወሃሂድና ነውርዶ፣ ብውዑዩ ኸኣ ነቲ ባኒ ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ሸሓሊ ረብሪብናዮ ንጸንሕ’ሞ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባኒ ነፍስሶ፣ ፎርማጆ ነስኒስና ንመግቢ ንቕርቦ፣

መረቕ ካውሎ ካቡቺን ቀይሕ ሱርን ምስ ባኒ

መረቕ ስጋ ከብዲ

ዓቐን።-- 1/4 ኺሎ ስጋ ከብዲ ናይ ብዕራይ- 2 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ- ሓደን ፈረቓን ልትሮ መረቕ ደርሆ/ ዳዶ- 1/2 ኩባያ ማርጋሪን- 1/2 ኺሎ ዝደኸመ ጉንዲ ሰዴኖ- 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም- 1 ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ-1 ማንካ ጣውላ ሓርጭ- ማንካ ሻሂ ጨው- 2 ኩባያ ጸባ

ኣገባብ።-

ነቲ ስጋ ከብዲ ኣድቂቕና ንመትሮ፣ ቀጺልና። ኣብ ድስቲ ገምጢልና። ማርገሪን። ሰዴኖ። ፐርሰሜሎ። ሽጉርቲ ጻዕዳ ኣእቲና ቁሩብ ንቐልዎ፣ ጨውን መረቕን ኣእቲና ኸኣ ነብስሎ፣ ኣብ ካልእ ድስቲ ድማ ነቲ ዝተረፈ ማርገሪን ኣምኪኽና ሓርጭ ኣእቲና ቅይሕ ክሳዕ ዝብል ንቐልዎ፣ ጸባ ጌርና ኸኣ ነብስሎ፣ ምስቲ ዝበስል ዘሎ ስጋ ከብዲ ሓዊስና እናኣሕበርና። ሓንሳእ ኣብሲልና ነውርዶ፣ ውዑዩ ኸኣ ንመግቢ ንቕርቦ፣

መም. ፍረወይኒ ገብረሂወት

Page 11: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ጋንታ ጸወታ ዓወት ማዕረ ስዕረት ጸ.ሸቶ ነጥቢኣርሰናል 20 14 3 3 21 45ማን ሲቲ 20 14 2 4 34 44ቸልሲ 20 13 4 3 19 43ሊቨርፑል 20 12 3 5 23 39ኤቨርተን 20 10 8 2 13 38ቶተንሃም 20 11 4 5 -1 37ማን ዩናይትድ 20 10 4 6 9 34ኒውካስል 20 10 3 7 4 33ሳውዝሃምፕተን 20 7 6 7 3 27ሃል 20 6 5 9 -3 23ኣስቶን ቪላ 20 6 5 9 -6 23ስቶክ 20 5 7 8 -11 22ስዋንሲ 20 5 6 9 -2 21ዌስትብሮም 20 4 9 7 -4 21ኖርዊች 20 5 5 10 -16 20ፉልሃም 20 6 1 13 -21 19ካርዲፍ 20 4 6 10 -17 18ክ.ፓላስ 20 5 2 13 -16 17ዌስት ሃም 20 3 6 11 -11 15ሳንደርላንድ 20 3 5 12 -18 14

ደረጃ ክለባት እንግሊዝ ቅንጥብጣብ= ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ማን ሲቲ - ያያ ቱረ ንሳልሳይ

ተኸታታሊ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብካፍ ተረቑሑ፣ እቲ ዓንተር መስመር ምክፍፋል፡ ንናይጀርያዊ ጆን ኦቢ ሚከልን ወዲ ዓዱ ዲደር ድሮግባን ብምብላጽ እዩ ነቲ ክብሪ ክቋደስ ክኢሉ፣ በዚ ድማ፡ ቱረ፡ ሰለስተ ግዜ ነቲ ሽልማት ምስ ዝወሰዱ ኣቢዲ ፐለን ሳሙኤል ኤቶን ስሙ ኣድሚቑ ኣብ መዝገብ ካፍ ክሰፍር ክኢሉ ኣሎ፣ = ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ካርዲፍ - ጉናር ሶልሻየር፡

ዎልፍ ኤክረም ንዝተባህለ ኖርወጅያዊ ተጻዋታይ ትማሊ ምፍራሙ ተፈሊጡ፣ ሶልሻየር ክለቡ ካርዲፍ ነቲ ወዲ 23 ዓመት ተጻዋታይ ዘፈረመትሉ መጠን ገንዘብ ኣይሓበረን፣ እንተኾነ፡ ኤክረም ቅድሚ እዛ ዝጸንሓላ ሆላንዳዊት ክለብ ሀረንቨን ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ (ናይ መንእሰያት ጋንታ) ኮይኑ ጸወታታት የካይድ ምንባሩ ይንገር፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርዲፍ ዘቕነዐ ሶልሻየር፡ ኣብ ፈላሚ ጸወታኡ ኣንጻር ኒውካስል 2ብ1 ክዕወት ክኢሉ እዩ፣ በቲ ዓወት ድማ ካርዲፍ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ግጥም ኤፍ ኤ ዘሊላ፣= ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንስዕረት ክለቡ ብማን ሲቲ

ክጻወር ዘይከኣለ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ብረንዳን ሮጀርስ፡ ንማእከላይ ዳኛ ክዘልፍ እዩ ተሰሚዑ፣ ሮጀርስ፡ ድሕሪ

እቲ ግጥም ንማእከላይ ዳኛ ሊ ማሶን “ኣዝዩ ሕማቕ ዳኛ፥ ፍትሒ ኣልቦ” ክብል ዘሊፍዎ ነበረ፣ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ዝጸዝሐ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሮጀርስ ናይ 8 ሽሕ ፓውንድ መቕጻዕቲ ምስ ተሪር መጠንቀቕታ ከምዝበየነሉ ሓቢሩ፣= ተኸላኻሊ ክለብ ባርሴሎና - ካርሎስ

ፑዮል፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ ስፖርት ጫማኡ ክሰቅል ከምዝኽእል ኣሚቱ፣ እቲ እስጳኛዊ ኮኾብ፡ ካብ ውድድር ዩሮ 2012 ብሰንኪ መጉዳእቲ ምብኳሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን ብተደጋጋሚ ማህሰይቲ ካብ ጸወታ ክእለ ጸኒሑን ኣሎን፣ በዚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት 13 ጸወታታት ላ’ሊጋ ጥራይ ከካይድ ተገዲዱ ነይሩ፣ ምስ ባርሴሎና ኣስታት 500 ጸወታታት ዘካየደ ፑዮል፡ ክሳብ 2016 ኣብታ ክለብ ዘጽንሕ ውዕል ኣለዎ፣= ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሰለስተ

ተኸታተልቲ ስዕረት ዘመዝገበ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ደቪድ ሞየስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ደገፍቲ ክለቡ ሓያል ጸቕጢ ይወርዶ ኣሎ፣ እንተኾነ፡ ኮኾብ ተጻዋታይ ክለቡ ዋይን ሩኒ እቲ

ኣሰልጣኒ ግዜ ክወሃቦ ከምዘለዎን ደገፍቲ ድማ ዓቕሊ ክገብሩ ከምዝግብኦምን ኣገንዚቡ፣ ኣብ ግጥም ካፒታል ዋል ብሳንደርላንድ ዝተሳዕረት ማን ዩናይትድ ኣቐዲማ ብቶተንሃምን ስዋንሲን ምድፋራ ይዝከር፣ በዚን ካልእን ድማ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ እታ ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነት ክለብ ካብ መራሒት ኣርሰናል ብ11 ነጥቢ ድሒራ ክትቕመጥ ተገዲዳ ኣላ፣= ኣጥቃዒ ክለብ ማን ሲቲ ኣልቫሮ ነግሬዶ

ምስ ኤዲን ዜኮ ዘለዎ ጥምረት ኣዝዩ ከምዘደሰቶ ተዛሪቡ፣ ሰርጆ ኣጉዌሮ ካብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ብሰንኪ ኣብ በራቒቶኡ ዝገጠሞ ማህሰይቲ ካብ ጸወታ ቦኺሩ ኣሎ፣ በዚ ድማ እቲ መስመር ኣብ እንግድዓ እዞም ክልተ ተጻወትቲ ክወድቕ ተራእዩ ኣሎ፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ካፒታል ዋን ኣንጻር ዌስት ሃም፡ ማን ሲቲ 6ብ0 ብገፊሕ ንኽትዕወት እዞም ክልተ ተጻወትቲ ዘርኣይዎ ብቕዓትን ውጽኢትን ንብዙሓት መሲጡ እዩ፣ ዜኮ ክልተ ሸቶ ከመዝግብ እንከሎ ኔግሬዶ ድማ ሓንሳብ ንልዳት ዌስትሃም ደፊሩ፣

ሻምፕዮን ማውንተይን ባይክ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ዞባ ማእከል ጽባሕ

ክዛዘም እዩንመበል 20 ዓመት ምጅማር ውድድር

ማውንተይን ባይክ ብሃማመተኤ ብምድቀት ንምጽንባል ክካየድ ዝጸነሐ ውድድር ሻምፕዮን 2013፡ ጽባሕ ኣብ ጎደና ኣፍዓበት (ከባቢ እንዳማርያም) ብዝካየድ ውድድር ክፍጸም ምዃኑ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ፣ዛጊት ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድር፡ ካብ

ዓበይቲ ዘሙይ ወልዳይ፡ ካብ ማእከሎት ድማ ኣብርያኖስ ግርማይ ኣንበሳ ዓቐብ ምዃኖም ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ካብ ዓበይቲ 38 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዘሎ ዮሃንስ ተስፋይ (ካብ ጋንታ ቲራቮሎ) ኣብ ልዕሊ 30 ነጥቢ ዘዋህለለ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝኾነ ተቐዳዳማይ ዘሙይ ወልዳይ (ጋንታ ጎዳይፍ) ኣኸቲሉ ናብ መዛዘሚ ውድድር ዝኣቱ ብምዃኑ ዘውዲ ሻምፕዮን መበል 20 ዓመት ምጅማር ውድድር ማውንተይን ባይክ ናይ ምድፋእ ተኽእሎኡ ኣዕዚዙ ኣሎ፣ ከምኡ’ውን ካብ ህጻናት ለ ዳንኤል በርሀ፡

ካብ ህጻናት ሀ ዳዊት ሚኪኤለ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣድያም ተስፋኣለም ዘውዲ ሻምፕዮን መበል 20 ዓመት ምጅማር ውድድር ማውንተይን ባይክ ዝዓተሩ ተቐዳዳምቲ ኮይኖም ኣለዉ፣ ኣብ ናይ ትማሊ ሰንበት ውድድር ሓያለ

ኣፍቀርቲ ስፖርት ከምቲ ልሙድ ተቐዳደምቲ ንምትብባዕ ንቕጽበታዊ ውድድር ዝውዕል ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ወፈያ ገይሮም፣ ብተወሳኺ እውን ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ንሽልማት ዝውዕል ብርክት ዝበለ ዋናጩ ምውፋዩ ተፈሊጡ፣

** ** **

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ጋቦን ኣቕኒዓካብ 13 ክሳብ 19 ጥሪ 2014 ኣብ ጋቦን ኣብ

ዝካየድ ብዙር ‘ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ’ 2014 La Tropicale Amissa Bongo ኣብ ዝጽዋዕ ውድድር እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትማሊ ወጋሕታ ናብ ከተማ ሊብረቪል (ጋቦን) ምምርሓ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ ኣፍሊጡ፣እታ ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ እናተኣለየት

ንተቐዳደምቲ ተስፎም ዑቕባምርያም፡ ሜሮን ተሾመ፡ ሜሮን ኣማኑኤል፡ ክንድሽሕ ደበሳይ፡ መትከል ኢዮብን ኣማኑኤል ገ/ሔርን ብምሓዝ ውድድራታ እተካይድ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብቲ

ሓያለ ፕሮፊሽናል ክለባት ዝሳተፋኦ ዙር በዳሂ ተወዳዳርነት ከምዝጽበያ ይፍለጥ፣ብደረጃ ዩ.ሲ.ኣይ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎን

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ዙር ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድሩ ሸውዓተ መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ 974 ኪ/ሜ. ውድድር ክሽፍን እዩ፣ 13 ጥሪ 2014 ድማ ካብ ቢታም ናብ ኤቦሎዋ(ካሜሩን) ብዝበጽሕ ናይ 149 ኪ/ሜ ቅድድም ናይ ሎሚ ዓመት ውድድሩ ብወግዒ ክፍልም’ዩ፣ ኣብዚ ኣህጉራዊ ውድድር’ዚ ብሉጽ

ኣፍሪቃዊ ስፖርታዊ ዓመተ ስፖርት 2013 ኮይኑ ዝተሰምየ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ዩሮፕ-ካር ናትናኤል ብርሃነ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ተዓዋቲ ወዲ ጋንትኡ ዮሃን ጄን ሓቢሩ ማልያ’ታ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ወድዩ ክወዳደር እዩ፣

** ** **

መደብ ጸወታሎሚ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝሃል ሲቲ - ቸልሲ 3:45ካርዲፍ - ዌስትሃም 6:00ኤቨርተን - ኖርዊች 6:00ፉልሃም - ሳንደርላንድ 6:00

ሳውዝሃምፕተን - ዌስትብሮም 6:00ቶተንሃም - ክ. ፓላስ 6:00

ማን ዩናይትድ - ስዋንሲ 8:30ላ’ሊጋ

ኣትለቲኮ ማድሪድ - ባርሴሎና 10:00ሰረ’ኣ

ቦሎኛ - ላዚዮ 10:45

ጽባሕፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ኒውካስል - ማን ሲቲ 5:05ስቶክ - ሊቨርፑል 7:10

ላ’ሊጋኤስጳኞል - ሪያል ማድሪድ 9:00

ኣሎንሶ ውዕሉ ኣናዊሑኣከፋፋሊ ክለብ ሪያል ማድሪድ - ዣቢ ኣሎንሶ፡

ንተወሰኽቲ ክልተ ዓመታት ምስታ ማድሪዳዊት ክለብ ዘጽንሖ ውዕል ከቲሙ፣

እቲ እስጳኛዊ ተጻዋታይ ውዕሉ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ ስፖርት ዘብቅዕ ምስ ምንባሩ፡ መጻኢኡ ኣብ ቀራና ምጽንሑ ይፍለጥ፣ ኮይኑ ግን፡ እቲ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል፡ ትማሊ ክሳብ ክረምቲ ናይ 2016 ኣብ በርናቡ ዘጽንሖ ክታም ኣብ ወረቐት ሪያል ማድሪድ ብምንባሩ ንሕቶ ብዙሓት ደገፍቲ ምላሽ ሂቡ፣

ኣብ 2009 ናብ ማድሪድ ዝተጸምበረ ኣሎንሶ፡ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስ ሪያል ማድሪድ ሓያለ ዋናጩ ከልዕል ባህጊ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ፣ እቲ ወዲ 32 ዓመት፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ 12 ጸወታታት (ኣብ ኩሉ ውድድር ምዃኑ እዩ) ዘካየደ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣብ እዝኑ ዝገጠሞ ሕማም ንዘይተወሰነ ግዜ ካብ ጸወታ ርሒቑ ምህላዉ ይንገር፣

ተወሳኺ . . .= ኣጥቃዒ ክለብ ማን ዩናይትድ - ሮቢን ቫን

ፐርሲ፡ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ምሉእ ልምምድ ምምላሱን ሎሚ ምስ ስዋንሲ ንዝካየድ ግጥም ናይ ምስላፍ ተኽእሎ ከምዘለዎን ተሓቢሩ፣ ንሸሞንተ ጸወታታት ብሰንኪ ምጭብባጥ ጭዋዳ ካብ ሜዳ ተፈልዩ ዝጸንሐ ቫን ፐርሲ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ 10 ሸቶታት ኣቑጺሩ ይርከብ፣ ምምላስ ቫን ፐርሲ ናብ ጸወታ፡ ማን ዩናይትድ ካብ ዝቐነየቶ ዓዘቕቲ ብመጠኑ ክወጽእ ከምዘኽእላ ተንተንቲ ኵዕሶ እግሪ ይሰማምዑ፣

= ተጻዋታይ ክለብ ሊቨርፑል ዳኒኤል ኣገር፡ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ካብ ሊቨርፑል ከምዘይወጽእ ኣፍሊጡ፣ እቲ ደንማርካዊ ተጻዋታይ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ኣብ ትሸዓተ ጸወታታት ጥራይ ምስ ቀዳሞት 11 ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ናይ ቅድም ኣሰልጣኒኡ (ናይ ሊቨርፑል) ዝነበረ ራፋ በኒተዝ ናብ ዝርከበላ ክለብ ናፖሊ ክግዕዝ ከምዝኽእል ክዝረበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ፣

= ኣከፋፋሊ ክለብ ባየር ሙኒክ ባስቲያን ሽዋይንስታይገር ክለቡ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝህልዋ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ደሚቓ ከምእትወጽእ ኣሚቱ፣ እቲ ጀርመናዊ፡ ክለቡ ንዘውዲ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ንምዕቃብ ዝእግማ ነገር ከምዘየለ የረድእ፣ ወዲ 29 ዓመት ሽዋይንስታይገር፡ ኣብ ዓንካር ዓንካሪቱ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ካብ ጸወታ ክቦኩር ተገዲዱ እዩ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ባየር ሙኒክ ምስ ኣርሰናል ንዝህልዋ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ንምዝጉባት ደገፍታ ናይ ትኬት ድጎማ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ፣

= ተጻዋታይ ሊቨርፑል ሉዊስ ስዋረዝን ኣሰልጣኒ ማን ሲቲ ማኑኤል ፐለግረኒን ብሉጽ ተጻዋታይን ኣሰልጣኒን ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወርሒ ታሕሳስ ኮይኖም ተሸሊሞም፣ ኣብዚ ናይ ሽልማት መስርሕ ንብዙሓት ዘገረመ ተርእዮ እንተሎ፡ ኣብ መስርሕ ምምራጽ ብሉጽ ኣሰልጣኒ፡ ኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ደቪድ ሞየስ ምስ ምስ ብሉጻት ሰለስተ ኣሰልጠንቲ ንውድድር ምቕራቡ እዩ፣ እቲ ተደጋጋሚ ስዕረት የመዝግብ ዘሎ ኣሰልጣኒ፡ ነዚ ሽልማት’ዚ ምስ ፐለግረኒ፡ ሞሪኖን ምስ ሮቤርቶ ማርቲነዝን ምውድዳሩ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ፣

= ቶማስ ሮዝስኪ ምስ ኣርሰናል ንዘለዎ ውዕል ከናውሕ ምምዳቡ ተፈሊጡ፣

= ተጻዋታይ ቸልሲ ኮርቶይስ ምስ ቸልሲ ንዝህልዎ ጻንሖት ምስ ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ክዘራረበሉ ምዃኑ ኣሚቱ፣ እንተኾነ እቲ ተጻዋታይ ኣብ መንበር ተቐየርቲ ተጻወትቲ ፈጺሙ ኮፍ ከምዘይብልን ነቲ ኣሰልጣኒ ድማ ከጠንቕቖ ምዃኑን ኣነጺሩ፣

= ተጻዋታይ ቶተንሃም ጀርማይን ዲፎ ትማሊ ናብ ክለብ ቶሮንቶ ምሉእ ብምሉእ ምስግጋሩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን፣

ኮስታ ኣንጻር መሲ

ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሓ ክለባት እስጳኛ ናብ ግጥም ላ’ሊጋ ተመሊሰን ኣለዋ፣ በዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ ባርሳ ምስ ኣትለቲኮ ማድሪድ

ዘካይዳኦ ግጥም ብኣጋኡ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ፣ ክልቲአን ክለበት ዋላ’ኳ ብጸብለልታ ሸቶ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃታት ሒዘን እንተሃለዋ ኣዋህሊለናኦ ዘለዋ ነጥቢ ግን ሓደ እዩ - 49፣ ብዲያጎ ሲሞነ ትእለ ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ ብዲያጎ ኮስታ እናተመርሐት ንባርሳ ከተንበርክኽ ክትቃለስ እያ፣ ነታ ናይ ቀረባ መቐናቕንታ - ሪያል ማድሪድ ቀዲማ ትርከብ ኣትለቲኮ፡ ብውጽኢታ ዝተሓበኑ ደገፍታ ከበሮ ሓምሓም ይወቕዑ ኣለዉ፣ ንባርሳ ኣብ ሜዳኦም ምስ ዘምበርክኹ ድማ . . .ብወገን እታ ካታሎናዊት ክለብ፡ ምምላስ

ሊዮነል መሲ ናብ ጸወታ እቲ ካልእ ሻቕሎት ተኸላኸልቲ ኣትለቲኮ ማድሪድ እዩ፣ እቲ ኮኾብ ተጻዋታይ ባርሳ፡ ድሮ ንልዳት ኣንጻር ጋንታኡ ክደፍር ምጅማሩ እውን ንኣሰልጣኒ ዲያጎ ሲሞነ ካልእ ናይ ጸወታ ሜላ ክኽተል ካብ ዘገድዱ ነጥቢ እዩ፣

መደብ ጸወታሊግ ኤርትራ

ጽባሕቀይሕ ባሕሪ - ኣልነስር 1:45ኣዱሊስ - ኣልነስር 3:45

ማይኣድከሞም - መረብ 3:45ኣልሂላል - ስሉማ 3:45ደንካልያ - ኣዱሊስ 3:45ደቀምሓረ - ሰሜንቶ 3:45

ግጥም ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ሎሚ ብወግዒ ክጅመር’ዩ

ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል ንምጅማር ዓመተ ስፖርት ሎሚ ወግዓዊ ናይ መኽፈቲ ስነስነስርዓት ኣብ ስታድዪም ኣስመራ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፣በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ሰዓታት

ድሕሪ ቐትሪ ዝካየድ መደብ ብግጥም ኣባሻውልን ዕዳጋ ሓሙስን ዝጅምር ኮይኑ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ስነጥባብዊ ምርኢታት ክቐርቡ መደብ ተታሒዝሎም ኣሎ፣ኣብ መወዳእታ ድማ ማይተመናይ

ምስ ደንደን ሓያል ናይ መኽፈቲ ግጥም ከካይዱ እዮም፣

Page 12: ሳዕቤን’ቲ መትኮሳ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_11012014.pdf · ኡራኤል ኣበልኩ። ምስ ኣብርሃም ተራኺብና። ሽዑ ኣዕለልና

ሓዳስ ኤርትራ 11 ጥሪ 2014 - ገጽ 12

ሩት ተስፋይ

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ኳኽ መግቢ ማእሪሩ ክረክብ ስለዘይከኣለ ብጥሜት ተዳኺሙ ነበረ። መግቢ ንምርካብ ዘይበጽሖ ቦታ ኣይነበሮን። እንተዀነ ግን ክረክብ ኣይከኣለን። “ንእሽቶ ዝብላዕ እንተዘይረኺበ ክመውት’የ።” ሓሰበ ኳኽ። ተስፋ ከይቆረጸ ከኣ መግቢ ንምድላይ ኮለለ። ካብ ማዕዶ ሓንቲ ቁራስ ባኒ ርኣየ። ከይደንጐየ ንታሕቲ ተነቚቱ ነታ ባኒ ብኣጽፋሩ ጨቢጡ ሓዛ። ኣብ ጽምው ዝበለ ከባቢ ኮይኑ ክበልዓ ከኣ ሓሰበ። ኣብ ጨንፈር ናይ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ኮፍ ብምባል ነታ ቁራስ ባኒ ንምብላዕ ተቐረበ።ነቲ ኳኽ ሓንቲ ወኻርያ

ትከታተሎ ነበረት። ንሳ’ውን መግቢ ትደሊ ነበረት። ነታ ቁራስ ባኒ ክትበልዓ ከኣ ሃረፈት። ኳኽ፡ ኣብታ ገረብ ኮፍ ኢሉ ነታ ቁራስ ባኒ ኣብ ኣፉ እናእተዋ ኣፋ ማይ መልአ። ብኸመይ ካብ ኣፍ’ቲ ኳኽ መንጢላ ኣብ ኢዳ ተእትዋ ድማ

ግርህነት ቈልዑ1.መምህር፦ ዓብዱ! ኣብ መወዳእታ ናይቲ

መስርዕ ተሰራዕዶ ኣይበልኩኻን? ዓብዱ፡- እወ መምህር፡ ግን ሓደ ተማሃራይ’ኳ ኣብ

መወዳእታ ተሰሪዑ ኣሎ።2.ኣቤል ናይ ፈተና ውጽኢቱ ተዋሂቡ ናብ ገዛኡ

ኣተወ። ኣደኡ ውጽኢቱ ብምርኣይ - ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ሓሚቕካ? * ማማ እዚ’ኳ ዋላሓንቲ ከይቀዳሕኩ

ዝሰራሕክዎ’ዩ።

ኣዛምድፍቱዋት ቈልዑ፡ ነዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ፡ ምስቶም ኣብ ጐኖም

ዘለው መጸዊዕኦም ናይ እንግሊዘኛ ቃላት ኣዛምድዎም። እንተዘይፈለጥኩሞም ከኣ መዝገበ-ቃላት ተወኪስኩም ወይ ንዝፈልጡ ሓቲትኩም መልስዎም።

ኣዒንትና ክትርክሳ ከለዋ ንብዓት ይሰርሓ ኣለዋ ማለት’ዩ። ደሮና፡ ትኪ፡ ሕርቃን፡ ሓጐስ፡ ሓዘን…ወዘተ ገለ ካብ ጠንቅታት ንብዓት’ዮም። ንብዓት ‘ላክሪማል’ ካብ ዝብሃሉ ኣብ ኣዒንትና ዝርከቡ ጽክታት ይምንጩ። ንብዓት ኣብ ኣዒንትና ምስ ተዋህለለ ብመንገዲ ኣዝዮም ጸበብትን ደቀቕትን ቱቦታት ይወጽእ። ሓደ ሓደ እዋን ንብዓት ክበዝሕ ከሎ እዞም ቱቦታት ስለዘይኣኽልዎ ብመሳኹቲ ኣፍንጫና ይወጽእ።ኣዒንትና ብዝኾነ ነገር ምስ

ዝቑጥዓ ንብዓት ይፈጥራ። እዚ ድማ ነቲ ኣቖጣዒ ነገር ንምሕጻብ ዝግበር ግብረመልሲ’ዩ። ንኣብነት

5ፍልልያት ርኸቡ

እቲ ዓሻ ኳኽሓሰበት። ብትሕትና ከኣ ክትዛረቦ ጀመረት። “ክቡር መሓዛይ ኳኽ ከመይ ትኸውን?” በለቶ። ኳኽ ቃል ከየምሎቐ ብስቕታ ተዓዘባ። ነታ ኣብ ኣፉ ዝነበረት ቁራስ ባኒ ከይትሞልቆ ኣትሪሩ ቀርቀራ። ወኻርያ ዘረብኣ ብምቕጻል “ኳኻት ኣዚኹም ደስ ተብሉ ፍጥረታት ኢኹም። ንስኻ’ሞ ከኣ ፍሉይ መልክዕ’ዩ ዘለካ።” በለቶ። ኳኽ ጽን ኢሉ ሰምዓ። ወኻርያ ግን መመሊሳ ኣድነቐቶ። “ኳኻት መልክዕ ጥራይ ኣይኰነን ዘለኩም፡ ድምጽኹም ኣዝዩ ጥዑምን መሳጥን ምዃኑ ሰሚዐ ኣለኹ።” በለቶ። ሓንሳብ ድሕሪ ምዕራፍ “ነዚ ጥዑም ድምጽኻ ንምስማዕ ኣዝየ’የ ተሃዊኸ ዘለኹ። ስለዚ ኳኽ ሓወይ ሰላም መዓልቲ ምእንቲ ክውዕል በጃኻ ሓንቲ መዝሙር ዘምረለይ።” በለቶ። ኳኽ ንዘረባ ወኻርያ ድሕሪ ምስማዕ ክኣምና ጀመረ። “እዛ ወኻርያ ሓቀኛ መልክዕ ትፈልጥ’ያ።” ብምባል ምስ ነብሱ ተዛረበ። ኳኽ ብዘረባ ወኻርያ

ክታለል ጀመረ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣዕዋፍ እቲ ዝመልክዐ ንሱ ምዃኑ’ውን ንነብሱ ኣእመና። ነታ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝወደሰቶ ወኻርያ ከሐጉሳ ደለየ። ሓንቲ ጥዕምቲ መዝሙር ክዝምረላ’ውን ወሰነ። ወኻርያ ኣንቃዕሪራ ትጥምቶ ነበረት። ኣፉ ክኸፍት’ሞ ነታ ቁራስ ባኒ ክትቆልባ ተጸበየት። ኳኽ ግን ንብልሓት ወኻርያ ኣይገመቶን። ንኣድናቖታ ጥራይ ኢዩ ሰሚዑ። ኣፉ ከፊቱ ድማ ክዝምር ጀምረ። እቲ ዓሻ ኳኽ ንኽዝምር ኣፉ ምስ ከፈተ፡ እታ ቁራስ ባኒ ናብ መሬት ወደቐት። ንሱ ሰንበደ ወኻርያ ድማ ተሓጐሰት።ኳኽ መዝምሩ ኣቋሪጹ ንወኻርያ፡

ባኒኡ ክትመልሰሉ ሓተታ። ወኻርያ ግን ኣይተገደሰትሉን። ነታ ቁራስ ባኒ ተቓላጢፋ ወሓጠታ። ኳኽ ብሕርቃን ዝገብሮ ጠፍኦ። ወኻርያ ከምዘዐሸወቶ ተረዲእዎ ብጣዕሳ ሕርር በለ። ብግርህናኡን ዕሽነቱን ኣማረረ። ፋይዳ ግን ኣይነበሮን። ወኻርያ ተወሳኺ መግቢ ንምርካብ ገዲፋቶ ተመርቀፈት። ንሱ’ውን ጥሜቱ ተጻዊሩ ዝብላዕ ናብ ምድላይ ነቐለ። ፍቱዋት ቈልዑ፡ ፈተውትናን ጸላእትናን

ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ዩ። መስተውዓልቲ ክንከውን ደኣ’ምበር ብዘረባ ካልኦት ተታለልትን ዓያሹን ከይንኸውን ንጠንቀቕ። ወኻርያ ኰነ ኢላ’ያ ንኳኽ ቀሪባቶ። ንጥቕማ’ያ ሓሲባ። ንኳኽ ኣይደንገጸትሉን። ንሱ ግን ብትሑት ዘረባኣ ተታሊሉ ነታ ጽዒሩ ዝረኸባ ቁራስ ባኒ ከሲሩ። እዚ ዋጋ ዕሽነቱ’ዩ። ስለዚ ካብ ኳኽ ተማሂርና ጥንቁቓትን ዘይግሩሃትን ክንከውን ኣለና።

ሽጉርቲ ንኣዒንትና ከቖጥዕ ዝኽእል ከሚካል ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ ሽጉርቲ ክትመትር ከለኻ ወይ ኣብ ጥቓ ዝምተረሉ ከባቢ እንተሃሊኻ ትነብዕ። እዚ ንብዓት ኣዒንትና ካብቲ ካብ ሽጉርቲ ዝወጽእ ከሚካል ንምክልኻል ዝገብራኦ ንጥፈት’ዩ። ጠሊ ንኣዒንትና ኣገዳሲ’ዩ። ብዝተፈላለዩ መኽንያታት ኣዒንትና ክደርቃ ከለዋ ንብዓት’የን ዝሰርሓ። ንብዓት፡ ኣብ ኣዒንትና ንዝኣትዉ ደቀቕቲ ነገራት ንምጽራይን ምሕጻብን ይጠቅም’ዩ። ክበዝሕ ግን የብሉን። ገሊኦም ሰባት ናይ ምንባዕ ጸገም ኣለዎም። እቲ መኽንያት ከኣ ኣብ ኣዒንቶም ዝርከቡ ጽክታት ንብዓት ክሰርሑ ስለዘይክእሉ’ዩ።