4
እቶም ቆልዑ ኣብ ኣርባዕተ ዓመቶም መውዐሊ ህፃናት ይኣትዉ፡፡ ምጅማር መዓልቲ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ናብ መንበሪ ገዛኹም ክበፅሐኩም እዩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ መንበሪ ሐደስቲ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ካብ ምምሕዳር ከተማኹም ሓበሬታ ምሕታት ይክኣል፡፡ መውዐሊ ቆልዑ ኣብ ጸወታ ዘድሃበ እዩ፡፡ እዚ ድማ ንትምህርቲ ከም መሰረት የገልግል፡፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ምንባብ፣ ምፅሓፍን ቊጽርን ዝኣመሳሰሉ ክእለት ይምሃሩ ብተወሳኺ ቋንቋ፣ ሙዚቃን ሕሳብን ዝመሳሰሉ ዓይነታት ትምርቲ ይምሃሩ፡፡ እዞም ትምህርትታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይቕፅሉን ይዓምቁን፡፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ማእከላይን (“Realschule”) ላዕለዋይን (“Sekundarschu- le”) ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ፡፡ Kanton St.Gallen Amt für Volksschule ኣብ ኣውራጃ St.Gallen ዘለዉ ህዝባዊ ቤት-ትምህርትታት ካብ ሻራነት ፖለቲካን ሃይማኖትን ነፃ እዮም፡፡ መባእታ ትምህርቲ ምክትታል ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝውድእ ኮይኑ ምምሃር ድማ ናይ ግድን እዩ፡፡ መባእታ ትምህርቲ መውዐሊ ህፃናት፣ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዘጠቓልል እዩ፡፡ www.sg.ch Bildung Volksschule ንወለዲ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኣገደስቲ ነገራት ብሓጺሩ ኣድላዪ ሓበሬታ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስእትውድእ ኣገዳድነት ምክትታል ትምርቲ የብቅዕ፡፡ እቶም ቆልዑ ካልኣይ ደረጃ ትምርቲ ኣብ ዝከታተልሉ እዋን ምቅፃል ላዕለዋይ ብርኪ ትምርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ዓለም ምእታው ይውስኑ፡፡ ዓይነት ስራሕን ቤት ትምህርትን ውላድኩም ብቀዳምነት እትውስኑ ንስኩምን ውላድኩምን ኢኩም፡፡እቲ ሓላፊ ክፍሊ መምህር ሓላፍነቱ ንዓኩም ምሕጋዝን ምትሕብባርን ይኸውን፡፡ ኣብቲ ዛዕባ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ካብ ዘሎ ኣድራሻ ምርካብ ይክኣል: www.berufsberatung.ch/migration

ኣብ ኣውራጃ St.Gallen ዘለዉ ህዝባዊ ቤት-ትምህርትታት ......ሃይማኖታዊ በዓላት ክህልዉ ኸለዉ ፍቃድ ይወሃብ እዩ፡፡ ኣብ

  • Upload
    others

  • View
    6

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

  • እቶም ቆልዑ ኣብ ኣርባዕተ ዓመቶም መውዐሊ ህፃናት ይኣትዉ፡፡ ምጅማር መዓልቲ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ናብ መንበሪ ገዛኹም ክበፅሐኩም እዩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ መንበሪ ሐደስቲ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ካብ ምምሕዳር ከተማኹም ሓበሬታ ምሕታት ይክኣል፡፡

    መውዐሊ ቆልዑ ኣብ ጸወታ ዘድሃበ እዩ፡፡ እዚ ድማ ንትምህርቲ ከም መሰረት የገልግል፡፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ምንባብ፣ ምፅሓፍን ቊጽርን ዝኣመሳሰሉ ክእለት ይምሃሩ ብተወሳኺ ቋንቋ፣ ሙዚቃን ሕሳብን ዝመሳሰሉ ዓይነታት ትምርቲ ይምሃሩ፡፡ እዞም ትምህርትታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይቕፅሉን ይዓምቁን፡፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ማእከላይን (“Realschule”) ላዕለዋይን (“Sekundarschu-le”) ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ፡፡

    Kanton St.GallenAmt für Volksschule

    ኣብ ኣውራጃ St.Gallen ዘለዉ ህዝባዊ ቤት-ትምህርትታት ካብ ሻራነት ፖለቲካን ሃይማኖትን ነፃ እዮም፡፡ መባእታ ትምህርቲ ምክትታል ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝውድእ ኮይኑ ምምሃር ድማ ናይ ግድን እዩ፡፡ መባእታ ትምህርቲ መውዐሊ ህፃናት፣ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዘጠቓልል እዩ፡፡

    www.sg.ch → Bildung → Volksschule

    ንወለዲመባእታ ቤት-ትምህርቲኣገደስቲ ነገራት ብሓጺሩ

    ኣድላዪ ሓበሬታ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስእትውድእ ኣገዳድነት ምክትታል ትምርቲ የብቅዕ፡፡ እቶም ቆልዑ ካልኣይ ደረጃ ትምርቲ ኣብ ዝከታተልሉ እዋን ምቅፃል ላዕለዋይ ብርኪ ትምርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ዓለም ምእታው ይውስኑ፡፡ ዓይነት ስራሕን ቤት ትምህርትን ውላድኩም ብቀዳምነት እትውስኑ ንስኩምን ውላድኩምን ኢኩም፡፡እቲ ሓላፊ ክፍሊ መምህር ሓላፍነቱ ንዓኩም ምሕጋዝን ምትሕብባርን ይኸውን፡፡

    ኣብቲ ዛዕባ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ካብ ዘሎ ኣድራሻ ምርካብ ይክኣል:

    www.berufsberatung.ch/migration

    https://www.sg.ch/home/bildung/volksschule.htmlhttp://www.berufsberatung.ch/migration

  • ምክትታል ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ጠለባትን ተምሃሮ ምምልኦም መምህራን የረጋግጹ፡፡ ብምኽንያት ፀገም ምምሃር፣ ናይ ባህሪ ጸገማት ወይ ተውህቦ ትምህርቲ እዚ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል፡፡ እዚ ኣብዝኾነሉ እዉን ተምሃሮ ካብ ክፍሊ ወፃኢ ሓገዝ ክረክቡ ይግበር፡፡ ካብ ክፍሊት ነፃ ኣገልግሎት ምስ ወለዲ ብምምኽኻር ይካየድ፡፡

    እኹል ሓገዝ እንዳተገበረሎም ትምርቲ ንዘይከታተሉ ተምሃሮ ዝተዳለዉ ፍሉያት ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ፡፡ እዚኣተን ንኣብነት ናይ ምስማዕ ወይ ምዝራብ ፀገም ዘለዎምን ከምኡ’ውን ናይ ባህሪ ጸገምን ውስንነት ምቅባል ትምርቲ ንዘለዎምን ተምሃሮን ዝተዳለወ እዩ፡፡

    ክፍለ ግዜ ትምርትን ምሳሕን ብዙሕ ትምርቲ ዝወሃቦም መዓልትታት ብመሰረት ሰሌዳ ክፍለግዜ ትምርቲ ይውሰኑ፡፡ ኣብ ውሽጢ ንሓሰ ዘላ ካልአይቲ ሰኑይ ትምርቲ ክጅመር ከሎ ካብ ቤት-ትምርቲ ደቅኹም ሰሌዳ ክፍለግዜ ትምርቲ ክወሃበኩም እዩ፡፡ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኪብዎ እቲ ቤት-ትምርቲ ምሳሕ ከቕርብ እዩ፡፡ ብዛዕባ ምዝገባ፣ ኩነታት ምግቢ፣ ምቊጽጻርን ወፃእታትን ዝምልከት እቲ ቤት-ትምርቲ ከፍልጠኩም እዩ፡፡ ኣብ ወለንታ ዝምርኮስ ካብ እዋን ስዓታት ትምርቲ ወፃኢ ዝውሃብ ናይ ክንክን ቆልዓ መሳለጥያታት ከቕርብ ይኽእል እዩ፡፡

    ኣድላዪ ሓበሬታ ትምህርቲ ቅድሚ ምእታው ቤት-ትምህርቲ ይጅምር፡፡ ቆልዓኹም ኣብ ቀዳሞት ዓመት ህይወቱ/ታ ብኣገዳሲ ተመኩሮ ይሓልፍን ብዙሕ ይመሃርን፡፡ ንስኹም ከም ወለዲመጠን ነዚ ደግፍዎ፡፡ ዝብሎ ነገር ብምስማዕ፣ ብምዝርራብን ኣብ ከም ፀብሒ ምስራሕ ዝመሳሰሉ ተግባራት ክሳተፍ ብምግባር ምብርትታዕ፡፡ ከም ምሕኳር፣ ምልዋስ ዝመሳሰሉ ሓደሽቲ ነገራት ደጋጊሙ/ማ ክፍትን ምሕጋዝ፡፡ ካብ ስድራቤት ወፃኢ እውን ምሳኹም ወይ ምስ ካልኦት ቆልዑ ብምኻን ሓደሽቲ ነገራት ዝመሃረሉ ዕድል ኣሎ፡፡ ምስ ኣደ ወይ ኣቦ ስፖርት ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፣ ናብ ቤት-መፃሕፍቲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ናብ መጻወቲ ሜዳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ምስ ሰባት ብምፍላጥን ደስ ዝብል ተመኩሮ ብምሕላፍን ይዘናጋዕ፡፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣቕርቦት ምምሕዳር ከተማኹም ሓበሬታ ከቕርበልኩም እዩ፡፡ ኣብቲ ዛዕባ ዘትኩሩ ሓጸርቲ ፊልምታት ኣብዚ ይርከቡ:

    www.kinder-4.ch

    www.sg.ch → Bildung → Volksschule

    Visita à escolaDurante as aulas, os docentes estão atentos e as-seguram-se de que as diferentes necessidades e condições das alunas e dos alunos são tidas em consideração. É possível que, devido a, por exem-plo, dificuldades de aprendizagem, problemas comportamentais ou sobredotação, tal não seja o suficiente. Neste caso, as crianças e os jovens se-rão incentivados também fora das aulas. Tal acon-tece com o consentimento dos pais e é gratuito.

    Para alunas e alunos que, mesmo com apoio ade-quado, não possam frequentar o ensino regular, existem escolas especiais. Estas são orientadas para crianças e jovens que possuam, por exemplo, perturbação da fala ou perturbação auditiva ou difi-culdades comportamentais ou de aprendizagem acentuadas.

    Horários e refeitóriosA descrição dos dias e das aulas do seu filho en-contra-se no horário escolar. Antes do começo das aulas na segunda segunda-feira do mês de agos-to, receberão o horário escolar do seu filho. Quan-do necessário, a escola tem um refeitório à dispo-sição. A escola informá-los-á sobre a inscrição, as refeições, o acompanhamento e os custos. A esco-la possui ainda a autonomia para oferecer acom-panhamento adicional fora do tempo de aulas.

    É bom saberA formação começa já antes da entrada na esco-la. O seu filho vive e aprende muito com as suas experiências nos primeiros anos de vida. Vocês, enquanto pais, podem apoiá-lo nisso. Falem frequentemente com ele, ouçam-no e envolvam--se no seu quotidiano, deixando-o, por exemplo, ajudar nos afazeres da cozinha. Incentivem o seu filho a experimentar novas experiências como trepar ou moldar e a repetir essas mesmas experiências. Existem também muitas oportuni-dades para o seu filho descobrir novas coisas fora do seio familiar juntamente consigo ou com outras crianças. Nas aulas de ginástica com o pai ou com a mãe, nas excursões à biblioteca ou nas visitas a um grupo infantil vivem-se muitas experiências emocionantes e estabelecem-se novos contatos. A sua freguesia oferece-lhe in-formações sobre as ofertas locais. Poderão encontar vídeos curtos sobre este as-sunto em:

    www.kinder-4.ch

    www.sg.ch → Bildung → Volksschule

    Primarstufe (inkl. Kindergarten) Sekundarstufe I Sekundarstufe II

    Kinder- garten

    Primarschule Oberstufe: Mittelschule(Gymnasium)

    Fach- und Wirtschaftsmit-telschule

    Berufliche Grundbildung• Eidg. Fähigkeitszeugnis

    (EFZ) mit Berufsmatura• Eidg. Fähigkeitszeugnis

    (EFZ) ohne Berufsmatura• Eidg. Berufsattest (EBA)

    Oberstufe:Realschule

    Klasse

    1. 2. 1. 2. 3. 4. 5. 6. 1. 2. 3.

    Schuljahre

    1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11

    Brüc

    kenangeboteSekundarschule

    http://www.kinder-4.chhttps://www.sg.ch/home/bildung/volksschule.html

  • ንበዓላትን ምብኳር ትምርትን ዝምልከት ብምኽንያት ሕማም ወይ ካልኦት ምኽንያታት እቲ ቆልዓ ትምርቲ ዘቡኩር እንተድኣ ኮይኑ፣ ትምርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ንመምህር ምንጋር የድሊ፡፡ ኣብ ዓመት 13 ሰሙናት ዕረፍቲ እዮም፡፡ ኣብ እዋን መንግስታዊ ብዓላት እውን ትምርቲ ዕፁው እዩ፡፡ ኣገደስቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ክህልዉ ኸለዉ ፍቃድ ይወሃብ እዩ፡፡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እውን ደቆም ካብ ቤት-ትምርቲ ምውሳድ ይኽእሉ፡፡ እዚ ንምግባር ወለዲ ኣቐዲሞም ብፅሑፍ መልክዕ ንመምህር ክፈልጡ ምግባር እኹል እዩ፡፡

    ፍሉይ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚታት መጠናኸሪ ትምህርቲ ዝኾኑ ከም ምዕስካር፣ ዙረት፣ መገሻ ቤት-ትምህርቲ ዝኣመሳሰሉ ክውደቡ ይኽእሉ፡፡

    ቆልዓ ናብ ቤት-ትምርቲ ምብፃሕ ዝምልከት ወለዲ ከም ምዃንኩም መጠን ቆልዓ ናብ ቤት-ትምርቲ ኣብፂሕካ ምምላስ ናትኩም ሓላፍነት ይኸውን፡፡ ከም ሕጊ እቶም ቆልዑ በይኖም ወይ ምስ መማህርቶም ብምዃን ብእግሪ፣ ብብሽክለታ፣ ወይ ብኣውቶቡስ ይመላለሱ፡፡ ትራፊክ፣ ድሕንነት መንገድን ዝኣመሳሰሉ ዛዕባታት ኣብ ክፍሊ ይድህሰሱ፡፡

    ንዕዮ ገዛ ዝምልከት ኣብ ቤት-ትምርቲ እንታይ ዛዕባታት ከምዝመሃሩ ካብቲ ዕዮ ገዛ ክትፈልጡ ኢኹም፡፡ ተምሃሮ ዕዮ ገዝኦም ርእሶም ክኢሎም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ኣብ መውዐሊ ህፃናት ዕዮ ገዛ ኣይወሃብን፡፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ እዋን በዓላትን ቀዳመ ሰንበትን ዕዮ ገዛ ዘየለ እንተኾይኑ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክኣ ኣብ እዋን ብዓላት ዕዮ ገዛ የለን፡፡ ገለገለ ቤት-ትምህርትታት ብመልክዕ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ድሕሪ ትምህርቲ ይህቡ፡፡

    ግምገማ ካብ ምዝዛም ካልኣይ ክፍሊ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ጀሚሩ ኣብ ሰርትፍኬት ዝምላእ ውፅኢታት ናይ ንጥፈት ትምህርቲ ይውሃብ፡፡ እቲ ዝሓሸ ውፅኢት 6 ክኸውን ከሎ እቲ ዝተሓተ ክኣ 1 እዩ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ዝውሃብ ውፅኢት ሓፈሻዊ ውፅኢት ኮይኑ፣ ምስናይ ፈተና ማእከላይ ውፅኢት ኣይመዓራረን፡፡

    ኣብ እዋን ምርኣይ ውፅኢት ብዛዕባ ውፅኢትን ዕቤትን ደቅኹም ምስ መምህራን ትዘራረቡ፡፡ እዚ እንተውሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝግበር ይኸውን፡፡ ምስታፍ ክኣ ናይ ግድን እዩ፡፡ ኣብ እዋን እዚ ምይይጥ’ዚ ብዛዕባ ዓቕምን ዕቤትን ውላድኩም ብዝበለፀ ትፈልጡ፡፡ እቲ መምህር እውን ኣብ ገዛ ምስ ውላድኩም ዘለኩም ተመኩሮ ክፈልጥ ይደሊ፡፡ ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ’ቲ ዝቕፅል ዝለዓለ ክፍሊ ትዘራረቡ፡፡

    ኣድላዪ ሓበሬታ ቆልዓኹም ደስ ኢልዎ ብምቾት ንኽምሃር ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ኣብ ቤት-ትምርቲ ዝ/ትፀንሐሉ እዋን እንታይ ከምዝሰርሐ/ት ምርኣይ፡ ቆልዓኹም ዕዮ ገዛ ዝሰርሐሉ ፅምዋ ቦታ ምርካቡ ኣረጋግፁ፡፡ኣብ ዝቕፅል መዓልቲ እኹል ድቃስ ረኺቡ/ባ ብግዜ ናብ ቤት-ትምርቲ ምኻዱ/ዳ ኣረጋግፁ፡፡

    ብዛዕባ ትምርትን ዕቤት ቆልዓን ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ዝስዕብ ነፃ መተግበሪ ወይ ኣፕ parentu ርኸብዎ፥

    www.parentu.ch/informationsmaterial

    www.sg.ch → Bildung → Volksschule

    https://www.parentu.ch/informationsmaterialhttps://www.sg.ch/home/bildung/volksschule.html

  • ቋንቋ ኣብ መውዐሊ ህፃናት ብላህጃይረዳድኡ፡፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብጀርምን ይመሃሩ፡፡ ጀርመንኛ ብደንቢ ዘይክእሉ ተምሃሮ፣ ንዝተወሰነ እዋን ተወሳኺ ቋንቋ ጀርመን ክመሃሩ ይግበር፡፡

    ካብቶም ናይ ግዲታ ትምህርትታት ብተወሳኺ፣ ናይ መበቆል ቋንቋን ባህልን ትምህርትታት ኣለዉ (ትምህርታት NLC)፡፡ ኣብቲ ቦታ እቶም ቆልዑ ብመበቆላዊ ቋንቁኦም ምዝራብ፣ ምስማዕን ምፅሓፍን ይለማመዱ፡፡

    ናይ NLC ትምርትታት ብመዳይ ቆንስላትን ማሕበራትን ዝወሃቡ ኮይኖም ብወለንታ ይውሰዱ፡፡ ብዛዕባ ኣወሃህብኡን ክፍለግዚኡን ኣብዚ ዝስዕብ ይርከብ፡

    www.hsk-sg.ch

    ምስ ቤት -ትምርቲ ዝግበር ምትሕብባር ኣብ እዋን ምሸታት ወለድን ካልኦት ኣጋጣሚታት ቤት-ትምርትን ናይ ትምህርቲ ህይወት ርድኢት ክትረኽቡን ብዛዕባ ህሉው ኣርእስታት ሓበሪታ ክትረኽቡን ኢኹም፡፡ ምስታፍኩም ኣገዳሲ እዩ፡፡ ምስ ውላድኩም ብምኻን እውን ትምርቲ ምምሃር ይከኣል፡፡ እንተውሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ናይ ምብጻሕ መዓልታት ይምደቡ፡፡

    ከም ወለዲ ደቅኹም ትምህርቲ ብኣግባቡ ከምዝከታተሉን ብሕጊ ከምዝግዝኡን ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣለኩም፡፡ ብተወሳኺ መምህራን ወይ ቤት-ትምርቲ ንምዝርራብን ካልእን እንተደልዮምኹም ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለኩም፡፡ ጽቡቕ ምትሕብባርኩም ደቅኹም ኣብ ቤት-ትምርቲ ፅቡቅ ስምዒት ክህልዎም ይገብር፡፡

    ተፀዋዒ ኣካል ዝኾነ ይኹን ሕቶ ወይ ስግኣት ምስ ዝህልወኩም ብቐጥታ ምስቲ ናይ ቆልዓኹም መምህር ምርኻብ ይከኣል፡፡ ንዝርርብ ወይ ጉዳይ ተርጓሚ እንተተደሊኹም ድማ ኣፍልጥዎ፡፡

    ፀገማት እንተተላዒሎም፡ ዝተፈላለዩ ከም ናይ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኣኣምሮኣዊ ኣገልግሎት ወይ ናይ ቤት-ትምህርቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣገልግሎታት ንወለድን ደቆምን ይመኽሩን ይድግፍዎምን።

    ኣድላዪ ሓበሬታ ኣብ ኣውራጃ St.Gallen ዝነብሩ ቆልዑ ምእንቲ ፅቡቕ ትምህርቲ ክረኽቡን ክምችኦምን ሃገራዊ ቋንቋ ጀርመን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። መበቆላዊ ቋ ንቁኦም ብጽቡቕ ምዝራብ እውን ሓጋዚ እዩ፡፡ እዚ ካልእ ቋንቋታት ክመሃሩ እውን ይሕግዞም፡፡ ስለዚ ቋንቋኹም ተጠቂምኩም ብዙሕ ምስ ደቅኹም ተዘራረቡ፡፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ገዛውቲ፡ ኣብ መፃወቲ ቦታታት፣ ኣብ ናይ ጸወታ ጉጅለ ወይ ኣብ ማእከል መሓብሓቢ ቆልዑን ካልኦት ቦታታትን ምስ ጀርመን ዝዛረቡ ሰባት ተራኺቦም ክለማመዱ ሓግዝዎም፡፡

    ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ብጽሑ:

    www.integration.sg.ch → Frühe Förderung und Elternbildung → Elternbildung

    www.sg.ch → Bildung → Volksschule ዝወጻሉ

    ጥሪ

    201

    9

    http://www.hsk-sg.chhttps://www.integration.sg.ch/home/FrueheFoerderung_Elternbildung/Elternbildung.htmlhttps://www.integration.sg.ch/home/FrueheFoerderung_Elternbildung/Elternbildung.htmlhttps://www.sg.ch/home/bildung/volksschule.html