12
መበል 23 ዓመት ቁ. 350 16 ነሓሰ 2014 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ገጽ 3 ድቦላ ህይወት ሰናይት! ገጽ 4 “ወኒ በዓል ኣደይ!” ገጽ 10 ኣመራርጻ ናይ ሃገርና ናይ ጸባ ከብቲ ገጽ 8 ተዂላ ከተማ ቀዳም ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ (ማሞስ)፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣስመራ - ኣዳራሽ ኮሚኒቲ ኮሌጅ ትምህርቲ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ኣቃኒዑ። ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋ፡ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ኣቃኒዑ ርእሶም ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕላማ’ቲ ኣኼባ፡ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ፡ መንእሰያት ሞያዊ ብቕዓቶም ብምብራኽ ኣብ ሃገራዊ መደባት ህንጸት ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ንዝካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብግቡእ ንምግምጋም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብቲ ዕማም ተዋፊሮም ዘለዉ መምህራን ንእወታውን ኣሉታውን ሸነኻት ኣገናዚቦም፡ ንዝያዳ ስራሕ ዝዳለውሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ገሊጹ። ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ ኣቶ ተስፋልደት ተኽለ ብግደኡ፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልዑል እጃም ዘለዎም መንእሰያት ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ቀዋሚት ልእኽቲ ኤርትራ ኣብ ትካል ትምህርቲ፡ ባህልን ስነ-ፍልጠትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኔስኮ ኮይና ብምምዛዛ፡ ወረቐት ስርሓ ንዋና ዳይረክተር ናይ’ቲ ትካል ሚስስ ኢሪና ቦኮቫ ኣረኪባ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ሃና፡ ኤርትራ ንትግባረ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ትግሃት ትሰርሕ ከምዘላን ዘተባብዕ ውጽኢት ተመዝጊቡ ከምዘሎን፡ ሸቶታት ትምህርቲ ንኹሉ ንምዕዋት ድማ ብትግሃት ትሰርሕ ከምዘላን ብሰፊሑ ገሊጻ። ኣምባሳደር ሃና ኣስዒባ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምዕሩይ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብሓፈሻ፡ ብሰንኪ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዕድል ትምህርቲ ንዝሓለፎም ቈልዑ ዕድል ንምፍጣር ድማ ብፍላይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንምዕቃብ ዓለማዊ ቅርሲ ብምዝልከት፡ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ፡ ቈሓይቶን ካልእ ከባቢታትን ዝርከብ ቀዋሚ ቅርስታት ኣብ ዝርዝር ዓለማዊ ባህላውን ባህርያውን ውርሻታት ንኽኣቱ፡ ንዕኡ ዝምልከት ሓበሬታ ብክኢላታት ይጻፈፍ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ሚስስ ኢሪና ቦኮቫ ብወገና፡ ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ምዝርጋሕ ትምህርቲ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ወረቐት ስርሓ ንዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ኣረኪባ ስነ-ኪነት፡ ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ከምኡ’ውን ምዕዛዝ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ተካይዶ ንዘላ ጻዕሪ ትካላ ከምዝግንዘቦ ብምሕባር፡ ንኣምባሳደር ሃና ጽቡቕ ናይ ስራሕ ግዜ ተመንያ። ብምትሕብባር ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መማይት ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራን ኣብ ስነ-ሲነማ ዘተኰረ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ 63 ስነ-ጥበበኛታት፡ ብ12 ነሓሰ ተመሪቖም። ኣብ’ቲ ዳይረክተራት፡ ሰኣልትን ኤዲተራትንዝተረኽቡሉናይመመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር መማይት ኮሚቴ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ መንእሰይ ኣኸድር ኣሕመዲን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና - ፊልምታት ሃገርና ዘለዎም ሃጓፋትን ብድሆታትን ብምልላይ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብደረጃ ዓለም ተበጺሑ ዘሎ ስነ-ኪነታዊ ይኹን ስነ-ጥበባዊ ምዕባለታት ፊልም ብምግንዛብ፡ ንዝያዳ መጽናዕቲን ትምህርትን ድርኺት ከምዝህልዎ ገሊጹ። ነቲ ስልጠና ዝሃበ መንእሰይ ዮናታን ጽገ ብግደኡ፡ እቲ ትምህርቲ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ 2004/2005 ባህላዊ ጉዳያት ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መማይት ኮሚቴ ደረጃታት ፊልምን ኣብ ስነ-ሲነማ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ ህግደፍ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝሃቦ መባእታዊ ስልጠና ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሎሚ ድማ ጥበብ ኣሰራርሓ ፊልምታት ሃገርና ንምምዕባል፡ ኣብ ምልላይ ስእሊ፡ ድምጽን ሕብርን ዝሕግዝ ስልጠና ከምእተዋህበ ሓቢሩ። ሰልጠንቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ንዝነበሮም ሞያዊ ዓቕሚ ብምብራኽ፡ ኣብ ምዕባለ’ቲ ዕለታዊ ከካይድዎ ዝጸንሑ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዋናውን ሓጋዚን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልጠና ንስፍሕ ዝበለ ግዜ ክውደብ ኣዘኻኺሮም። ደራስን ተማራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንኣገዳስነት ናይቲ ስልጠና ኣብ ሞያ ስነ-ሲነማ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብሪ ክሰርሑሉ ሞያዊ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ድቦላ ህይወት ሰናይት! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_16082014.pdf.pdf · ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ገጽ 3. ድቦላ ህይወት ሰናይት!

  • Upload
    others

  • View
    45

  • Download
    0

Embed Size (px)

Citation preview

መበል 23 ዓመት ቁ. 350 16 ነሓሰ 2014 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 11ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ገጽ 3

ድቦላ ህይወት ሰናይት!

ገጽ 4“ወኒ በዓል ኣደይ!”

ገጽ 10ኣመራርጻ ናይ ሃገርና ናይ

ጸባ ከብቲገጽ 8

ተዂላ ከተማ

ቀዳም

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ (ማሞስ)፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣስመራ - ኣዳራሽ ኮሚኒቲ ኮሌጅ ትምህርቲ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ኣቃኒዑ።ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋ፡ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታቱ ኣቃኒዑ

ርእሶም ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕላማ’ቲ ኣኼባ፡ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ፡ መንእሰያት ሞያዊ ብቕዓቶም ብምብራኽ ኣብ ሃገራዊ መደባት ህንጸት ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ንዝካይዶ ዘሎ ንጥፈታት

ብግቡእ ንምግምጋም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብቲ ዕማም ተዋፊሮም ዘለዉ መምህራን ንእወታውን ኣሉታውን ሸነኻት ኣገናዚቦም፡ ንዝያዳ ስራሕ ዝዳለውሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት - ሳዋ ኣቶ ተስፋልደት ተኽለ ብግደኡ፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልዑል እጃም ዘለዎም መንእሰያት

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ቀዋሚት ልእኽቲ ኤርትራ ኣብ ትካል ትምህርቲ፡ ባህልን ስነ-ፍልጠትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኔስኮ ኮይና ብምምዛዛ፡ ወረቐት ስርሓ ንዋና ዳይረክተር ናይ’ቲ ትካል ሚስስ ኢሪና ቦኮቫ ኣረኪባ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ሃና፡

ኤርትራ ንትግባረ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ትግሃት ትሰርሕ ከምዘላን ዘተባብዕ ውጽኢት ተመዝጊቡ ከምዘሎን፡ ሸቶታት ትምህርቲ ንኹሉ ንምዕዋት ድማ ብትግሃት ትሰርሕ ከምዘላን ብሰፊሑ ገሊጻ። ኣምባሳደር ሃና ኣስዒባ፡ ሚኒስትሪ

ትምህርቲ፡ ምዕሩይ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብሓፈሻ፡ ብሰንኪ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዕድል ትምህርቲ ንዝሓለፎም ቈልዑ ዕድል ንምፍጣር ድማ ብፍላይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንምዕቃብ ዓለማዊ ቅርሲ ብምዝልከት፡ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ፡ ቈሓይቶን ካልእ ከባቢታትን ዝርከብ ቀዋሚ ቅርስታት ኣብ ዝርዝር ዓለማዊ ባህላውን ባህርያውን ውርሻታት ንኽኣቱ፡ ንዕኡ ዝምልከት ሓበሬታ ብክኢላታት ይጻፈፍ ከምዘሎ ኣብሪሃ።ዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ሚስስ ኢሪና

ቦኮቫ ብወገና፡ ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ምዝርጋሕ ትምህርቲ

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ወረቐት ስርሓ ንዋና ዳይረክተር ዩኔስኮ ኣረኪባ

ስነ-ኪነት፡ ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ከምኡ’ውን ምዕዛዝ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ማሕበራዊ

ኣገልግሎታትን ተካይዶ ንዘላ ጻዕሪ ትካላ ከምዝግንዘቦ ብምሕባር፡ ንኣምባሳደር ሃና ጽቡቕ ናይ ስራሕ ግዜ ተመንያ።

ብምትሕብባር ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መማይት ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራን ኣብ ስነ-ሲነማ ዘተኰረ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ 63 ስነ-ጥበበኛታት፡ ብ12 ነሓሰ ተመሪቖም።ኣብ’ቲ ዳይረክተራት፡ ሰኣልትን

ኤዲተራትን ዝተረኽቡሉ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር መማይት ኮሚቴ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ መንእሰይ ኣኸድር ኣሕመዲን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና - ፊልምታት ሃገርና ዘለዎም ሃጓፋትን ብድሆታትን ብምልላይ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብደረጃ ዓለም ተበጺሑ ዘሎ ስነ-ኪነታዊ ይኹን ስነ-ጥበባዊ ምዕባለታት ፊልም ብምግንዛብ፡ ንዝያዳ መጽናዕቲን ትምህርትን ድርኺት ከምዝህልዎ ገሊጹ።ነቲ ስልጠና ዝሃበ መንእሰይ ዮናታን

ጽገ ብግደኡ፡ እቲ ትምህርቲ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ 2004/2005 ባህላዊ ጉዳያት

ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን መማይት ኮሚቴ ደረጃታት

ፊልምን ኣብ ስነ-ሲነማ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ

ህግደፍ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝሃቦ መባእታዊ ስልጠና ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሎሚ ድማ ጥበብ ኣሰራርሓ ፊልምታት ሃገርና ንምምዕባል፡ ኣብ ምልላይ ስእሊ፡ ድምጽን ሕብርን ዝሕግዝ ስልጠና ከምእተዋህበ ሓቢሩ።ሰልጠንቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡

ዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ንዝነበሮም ሞያዊ ዓቕሚ ብምብራኽ፡ ኣብ ምዕባለ’ቲ ዕለታዊ ከካይድዎ ዝጸንሑ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዋናውን ሓጋዚን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልጠና ንስፍሕ ዝበለ ግዜ ክውደብ ኣዘኻኺሮም።ደራስን ተማራማሪ ታሪኽን ኣቶ

ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንኣገዳስነት ናይቲ ስልጠና ኣብ ሞያ ስነ-ሲነማ ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብሪ ክሰርሑሉ ሞያዊ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2212)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ዮሃንስ ሃይለምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ንምፍራይ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ብደቂቕ ገምጊምካ ንዝሓየለ ስራሕ ምንቃል ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መምህራን ናይቲ ማእከል ተሰኪሞሞ ንዘለው ረዚን ሓላፍነት ብትግሃት ንምትግባር ቅሩብነቶም ከረጋግጹን

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ጻዕርታቶም ከደንፍዑን ኣዘኻኺሩ።ኣብቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ክፍልታት

ማእከል ስልጠና ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻባት ንጥፈታተን፡ ዘለወን ሕጽረታትን ንዕኡ ንምምላእን ንምሕያልን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ጻዕሪን ዝምልከት ዝርዝራዊ

መረዳእታ ሂበን።ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ጸብጻባት

ድሕሪ ምክትታል፡ ንጉዳይ ተመሃሮን መምህራንን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ኣብ ግብራዊ ትምህርቲ ዘሎ ሕጽረታት ክማላእ፡ ኣብ ገለ ክፍልታት ዝርአ ጽበት ፍታሕ ክናደየሉ፡ መምህራን ኣብ ዘድምዑሉ ዓይነት ትምህርቲ ምምዳብ ብኣተኲሮ ክስራሓሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ብሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝውነን ትካል መነጽር፡ ርትዓውን ተወዳዳርን ፍርያት የቕርብ ከምዘሎ ተጠቀምቲ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ ሓበሬታኦም፡ ብክኢላ ዝተኣዘዘሎም መነጽር ንምርካብ ኣብቲ ትካል ኣብ ዝመጹሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ብርትዓዊ ዋጋ ብሉጽ ፍርያት ከምዝረኸቡ ብምሕባር፡ ህላወ ናይቲ

ትካል ንስንኩላን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ኣገዳስነቱ ዓቢ ስለዝኾነ ዝያዳ ክሰፍሕ ኣዘኻኺሮም።እቲ ትካል ዘመናዊ መሳርሒታት

ብምትእትታው ርትዓውን ተወዳዳርን

ፍርያት የቕርብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ፡ ቴክኒሻን ምስራሕ መነጸር ዓይኒ ኣቶ ኣልኣዛር ግርማይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ 2008 ብውሱን ዓቕሚ ዝተጀመረ መስርሕ ምፍራይ መነጽር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ዓይነት ለንሳትን ብሉጽ ፍሬማትን ከቕርብ ብምብቅዑ፡ ኣብ ስንኩላን ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ንኹሎም ብሞያዊ ንዝተኣዘዘሎም ተጠቀምቲ ብርትዓዊ ዋጋ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር

ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ - መምህር ገብረብርሃን እያሱ ብግደኡ፡ እቲ ትካል ስንኩላን ኣብ ቀረብኦም መነጽር ዝረኽቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ

ዓሊሙ ከምእተመስረተ ብምምልካት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ጨናፍር ማሕበር ሳላ ዝገብርኦ ቀጻሊ ኣበርክቶ እናዓበየን እናማዕበለን ኣገዳስነቱ ድማ እናዓዘዘ ብምምጽኡ፡ ካብ 2010 ንደሓር ብዘተኣታተዎ ዘመናዊ ናውቲ ንኹሉ ተጠቃሚ የገልግል ከምዘሎ ኣብሪሁ።ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ጨንፈር

ናይ’ቲ ማሕበር ኣብ 2012/2013 ልዕሊ 10 ሽሕ ፍሬማት ብሓገዝ ከምዘበርከተ ዝጠቐሰ መምህር ገብረብርሃን፡ እቲ ትካል ደሊብዎ ብዘሎ ብቕዓትን ዝወንኖ እኹል ቀረብን ዝያዳ ንምስፍሑ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን መሻርኽትን ተሓባቢሮም ይጽዕሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተጠቃምነት መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ዕቤት የርኢ ከምዘሎ፡ ብኡ መሰረት ድማ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ን2,824 ዓማዊል 28 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ከምእተዋህበ፡ ሓላፊ ጨንፈር መውል ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ቢንያም ዮውሃንስ ገሊጹ።ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣቶ

ቢንያም፡ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ናይቲ መደብ ሓረስቶት ምዃኖም ብምምልካት፡ ካብ’ቲ ዝተዘርግሐ ልቓሕ ልዕሊ 16 ሚልዮን ናቕፋ ማለት 91 ሚእታዊት ኣብ ግዜኡ ከምእተመለሰ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣተባባዒ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ብሓፈሻ ልዕሊ 49 ሚልዮን ናቕፋ ናብ ዓማዊል ብምዝርጋሕ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ቢንያም፡ ናይ ምውህላል ባህሊ ንምትብባዕ ብዝብል ዕላማ፡ ልዕሊ 65 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ን777 ዜጋታት ከምዝኸፈለ ኣብሪሁ።ብጠቕላላ 11 ሽሕን 315 ዓማዊል

ዘለውዎ ጨንፈር ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ዞባ ዓንሰባ፡ ዕዳጋታት ኣብ ምርግጋእ፡ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድን ዕድል ሽቕለት ኣብ ምፍጣርን ልዑል ተራ ከምዝጻወት፡ ሰነዳቱ የመልክቱ።

ዞባ ዓንሰባ፡ ተጠቃምነት መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ዕቤት የርኢ ከምዘሎ ተገሊጹ

ብ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ. ዝውነን ትካል መነጽር፡ ርትዓውን ተወዳዳርን ፍርያት የቕርብ ከምዘሎ ተጠቀምቲ ገሊጾም

ክታበት ሮታ ቫይረስሚ/ሪ ጥዕና ነቲ ብደረጃ ዓለም ጠንቂ ሕማምን ሞትን ብዙሓት ህጻናት ኮይኑ ዝጸንሐ ብሮታ ቫይረስ

ዝመጽእ ውጽኣት ንምክልኻል ሓድሽ ክታበት - ክታበት ሮታ ክጅምር እዩ።ክታበት ሮታ ቫይረስ ካብ ነሓሰ 14 2014 ጀሚሩ ኣብ ስሩዕ መደብ ክታበት ተኣታትዩ ኣብ ኩለን

ትካላት ጥዕና ክወሃብ እዩ። ክታበት ሮታ ንኹሎም ትሕቲ ሓደ ዓመት ህጻናት ይወሃብ። ክታበት ሮታ፡ ብነጥቢ ኣብ ኣፍ ይውሰድ! ክታበት ሮታ ኣብ ክልተ ዙርያ ይወሃብ!

ስለዚ፡ ወለዲ ደቆም ኣብ ሽዱሽተ ሰሙን ዕድሜኦም ቀዳማይ ክታበት፡ ኣብ ዓስራይ ሰሙኖም ድማ ካልኣይ ዙርያ ክታበት ኣብ ዝቐረቦም ትካል ጥዕና ብምኻድ ከኽትብዎም ሚ/ሪ ጥዕና ይጽውዕ።ብሮታ ቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ውጽኣት መከላኸሊኡ ክታበት ሮታ ጥራይ እዩ!

ሚ/ጥዕና

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 3

ገብሩ ክብርኣብ

ድቦላ ህይወት ሰናይት!

29 ዓመት ረጊጻ ኣላ - ሰናይት ኣሕፈሮም፡ መብዝሕትኡ ክፋል መንብሮኣ ብሰናይ መዳይ ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ኣትሒዙ ግን ዘይሓሰበቶ ርካብ ጐነፋ። ክልተ ገጽ ህይወት ክትርኢ ተቐሲባ። ሰናይት ካብ ኣቦኣ ኣቶ ኣሕፈሮም ገብረታትዮስ ካብ ኣደኣ ወይዘሮ ዙፋን ሰመረ ኣብ ዓዲ ባሮ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ተወሊዳ። ንኣካዳምያዊ ትምህርታ ዝምልከት መባእታን ማእከላይን ደርጃ ኣብ ከረን፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ቤትትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ (ኣስመራ)ተኸታቲላ። ምስ ኣቶ ዮናስ ተኽለኣብ ብወግዒ እንዳባ ዝተመርዓወትሉ እዋን ድማ 2003 ነበረ። እዞም ሰብ ሓዳር ኣብ ዓዲሰልዳይት - ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ናብራኦም ኣብ ምምራሕ ይርከቡ። ሰናይት ማናቱ’ያ ተበኲራ። ድሕረኦም እውን ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ፈርዮም። ኣብዞም ዝቐደሙ ውሉዳ ድማ ጥንሳን ሕርሳን ንቡር ነበረ። ጸገም ዝተፈጥረ ኣብቲ ሕሳስ-ልደ’ዩ።ሰናይት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባ

ብምዃን ዝከኣላ ክትዓምም ዝጸንሐት ሃገራዊት’ያ። ካድር ኰይና ብሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ድባርዋ ተሳቲፋ። ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብምእታው ብፍላይ ንኣደታት ኣብ ምስትምሃር ንጥፈታ ብዝግባእ ኣሰላሲላ። በቲ ሓደ ናብራ ዓዃይ እናማልአት፡ በቲ ኻልእ ስርሓት ቊኖ እናተተሓሓዘት ንናብራ ተቓሊሳቶ። ሳላ ህርትኩትና ኸኣ ተፈላጥነታ ኣብቲ ከበቢ ዓዚዙ፡ ምህርትን እቶትን ኣብ ምኽዕባት ከኣ ተራኣ ተጻዊታ። ድሓር ደኣ እንታይ ገጠመ? ዮናስ ተኽለኣብ

ብዓል ቤት ወይዘሮ ሰናይት ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሻሙናይ ዙርያ እዩ። “ንሓሙሻይ ውላድና ድቂ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ጸገም ተኸሲቱ። ጸገም ምስ ተራእየ ናብ ማይጨሎት ብምኻድ ተሓጺባ። ካንሰር’ዩ ዝኸውን ኢሎም ስለ ዝገመቱ ‘ካንሰር ይፍውስ’ዩ’ ናብ ዝተባህለ ያታዊ ሓኪም’ውን ከይዳ….” ምስበለ፡ “እዚ ኹሉ’ሞ መዓስ ጠቐመ፡ ናይ ኣደታተይ ጠጠው ካብ ዝበለሉ እዋን ጀሚሩ ኣጥባተይ እናነደረ መጺኡ። ሚዛኑ እናወሰኸ ምስ ከደ ሻቡ ሕክምናዊ ረዲኤት ንምርካብ ኣንቂድና” ክትብል መሊኣትሉ ሰናይት ብሸነኻ።እዞም ሰብ ሓዳር

መጀመርታ ናብ ማእከል ሕክምና ሓዝሓዝዮም

በጺሖም። ምስ ሓካይም ምስተራኸቡ ኸኣ፡ “ኣብዚ ክንገብሮ እንኽእል የለን። ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ክፍሊ መወለዳን ሆስፒታል ኦሮታ ክንሰደኩም ኢና” ዝብል ምላሽ ረኺቦም ናብ ኦሮታ ኣቢሎም። እንተዀነ ኣብ ኦሮታ’ውን እቲ ሕማም ክንጽር ኣይከኣለን። ስለዚ እቶም ሰብ ሓዳር ናብ ዓዶም ክምለሱ ኸለዉ ብዘይንጹር መልሲ ነበረ።ኣብ እዋን ጥንሳ፡ ክልተኡ ኣጥባት

ሰናይት ዓቐኑን ሚዛኑን ክውስኽ እምበር

ክንክስ ኣይተራእየን። እዚ ኸኣ ትለብሶ ክዳን ክሳብ ትስእን ዝኸይድ ነይሩ። ክብል ክብል እቲ ጸገም እናበኣሰ ስለዝኸደ ግን ኣብ ሕክምኖ ኦሮታ ደቀሰት። እቲ ብዘገርም ኣገባብ ካብ ንቡር ኣዝዩ ዝገዘፈ ኣጥባታ፡ ኣፍ ስለዝኸፈተ፡ ነቶም ሞያኛታት ከይተረፈ ብዘደንጹ፡ ክልተ ሊትሮ ዝኸውን ሓፊስ ጸባ ፈሲስዋ። ኣብቲ ሕክምና ድሕሪ ዝተገብረላ ረዲኤት ብውሑዱ’ኳ እቲ ከፋት እንተተዓጽወ፡ ክትሓርስ ሓደ ሰሙን ምስተረፋ ግን ዳግማይ ናብ ሕክምና ተወሲዳ። ኩነታት ጥዕናኣ ኣሰካፊ ብምንባሩ ድማ ክንዲ ብመጥባሕቲ ብንቡር ክትሓርስ ተወሰነላ። ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓለፎ፡ ግና ብዘይ መጥባሕቲ ሕርሲ ድማ ኰነላ።ድሕሪ ሕርሳ ሕማማ፡ ኣዝዩ በኣሰ።

ኣጥባታ፡ ክፍንጀር ደልዩ። ክፈስስ ኣይክእል፡ ክጥቦ ኣይክእል፡ ኰነ። ሓካይም፡ ናብ ፍሉይ ክፍሊ ወሲዶም እቲ ኣመና ዝተረረን ዝገዘፈን ኣጥባታ ክዘልቀሉ፡ ክሕለበሉ ዝኽእል ኣገባብ ፈቲኖም ወይከ! በቲ ግዜ ንሳ፡ ሃላዋታ ኣጥፊኣ’ያ ዝነበረት። እቲ ጉዳይ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀኖም ሓካይም ድማ ንገዛ ወሰድዋ’ሞ ብማይ ውዑይ ተጠቒምኩም፡ ንኣጥባታ ማዝውዎ። እቲ ጸባ ከምዝወርድ ከኣ ግበሩ” በልዎም። ነዚ ገይሮም’ውን መለሳ ኣይረኸቡን።ኣብቲ እዋን ሕርሲ ሓንቲ ጡባ፡ 15

ኪሎ ግራም፡ እታ ካልኣይቲ ኸኣ 4 ኪሎ ግራም ተመዚነን። “ጸኒሓ ጸጋመይቲ ኢደይ ልክዕ ከም መሬት ተጨዲዳ። ከም ስብሒ ኰይና። እታ ካልኣይቲ ብሰለስተ ወገን ተቐዲዳ። …” ትብል

ሰናይት።ቀስብቐስ ሰናይት፡ ብሰንኪ’ዚ ብሕክምና

እውን ንጹር መልሲ ዘይተዋህቦ፡ ክትጸሮ ኣመና ዝኸብድ ሕማም፡ ኣደዳ ጭንቀትን ብስጭትን ክትከውን ጀሚራ። ንጭንቀታ ተደራቢ ጭንቀት ዝዀነ ድማ ጉዳይ ዕሸል’ዩ። ብሰንኪ ግዝፊ ኣጥባት ወላዲቱ፡ ክጠቡ ኣይክእልን’ዩ፡ ተሓሊቡ ከይወሃቦ እውን ምውራድ ኣብዩ’ዩ!? መርመራ ሕክምና ኣየተቛረጸን። ኣብ

ሕክምና ኦሮታ፡ ብኮምፒዩተር ዝተሰነየ መርመራ ኣካየደት። ብዙሕ ዝተፈልየ መልሲ ኣይተዋህበን። ንዓዶም ክብገሲ ኸለዉ ኸኣ ባህላዊ ክንክን ክገብሩ ለበዋ ተዋሂብዎም። ኣብ ዓዲ እውን ሰናይት ጥሽ ከምትወብእ ተገብረ። ብማይ ውዑይ’ውን ቀጻሊ ኣጥባታ ከምዝድረዝ ኰነ። እዚ ሒደት ለውጢ ኣምጺኡ’ዩ። ኰይኑ ግን እቲ ዘዝለቐ ጡባ እናተተኰሰ ቁስሊ ክኸውን ጀሚሩ። ከም ፈልፋሊ ካበይ ይመጽእ ምህላዉ ዘደንጽወካ ብዝሒ ጸባ ድማ ብኣፍ ጡብን በቲ

ቁስልን ወሓዘ። እዚ ኣሰንባዲ ነይሩ። ካብቲ ንዝቘሰለ ክፋል ለመም ዝብሉ ንኣሽቱ ሓሳኹ ክወጹ ምስተራእዩ ግን ኣስካሕካሒ ኰይኑ። ዝረኣዮን ዝሰምዖን ዘበለ ሰከሐን፡ ምርኣዩን ምስምዑን’ውን ጸልአን እምብዛ ደንገጸን።ሰናይት ክንዲዚ ዝኣክል ኣደራዕ

ተሰኪማ፡ ኣዋርሕ ከይዳ። ሕክምናዊ ምርምር’ውን ኣይተረፈን። “ድሕሪ’ዚ ናይ ሕክምና መርመራ ምስገበርኩ ሓደ ነገር ተጋሂዱ። ኣብ ርእሰይ ሕበጥ ከምዘሎኒ ተነጊሩኒ።” ትብል ሰናይት። እዚ ሕበጥ’ዚ ድማ’ዩ ንምንዛዕ ናይቲ ኣጥባት ቀንዲ ምኽንያት - ብመሰረት ኣብ ሕክምና ዝተዋህባ ሓበሬታ። ንማሕበራዊ ህይወታ ኣልዒላ፡ ወይዘሮ

ሰናይት፡ “ህይወተይ ብዝኸፈአ መልክዕ ተጸልዩ’ዩ። ካብን ናብን እናተጓዓዝኩ፡ ካብ ኣጥባተይ ጸባ ስለዝፈስስ፡ ኣብ ገለ ንዋት ኣዕቚረ ክኽዕዎ ኣሎኒ…” ትብል። ደቃ’ውን ስኣን ክንክን ብዙሕ ተተንኪፎም’ዮም። ኣቦን ኣደን ብጥዕና ሰናይት ላዕልን ታሕትን ስለዝዀነ ህይወቶም፡ ድሮ ሓደ ወዶም ትምህርቲ ኣቋሪጹ ይርከብ። ካልኣይ’ውን ኣሰሩ ከይስዕብ የስግእ ኣሎ።እምብዛ ምግዛፍን ምቑሳልን ኣጥባት፡

ጸቕጢ፡ ሃላዋት ምስሓት፡ …ጸገማት ሰናይት ይትረፍ ብሓባር፡ ብንጽል እውን ክትጸሮ እምብዛ ከቢድ’ዩ። መጻኢ ናይዛ ነዚ ጸገማት’ዚ ተሰኪማ ትኸይድ ዘላ ወይዘሮ ሰናይት ከመይ ኮን’ዩ ክኸውን? “ሕክምናዊ ቦርድን ካብ ምምሕዳር ዝድለ ሰነዳትን ኣብ ምጽፋፍ ንርከብ ኣሎና። ንወጻኢ ከይዳ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክር እንተተገይሩላ፡ ናብ ንቡር ህይወታ ክትምለስ’ያ” በዓልቤታ ዮናስ እምንቶኡ ይገልጽ። ኣብ ማእከል ጥዕናታትን ሆስፒታላትን ብዝተገብረላ ምቕሉል ኣተሓሕዛን ደገፍ ቤተሰብን ጐረባብቲን ብዙሕ ዝተሓጐሰትን ተስፋ ዝረኸበትን ሰናይት ብወገና፡ “ኣብ ርእሰይ ዘላ ሕበጥ’ያ ነቲ ጸባ እትጭንጉዕ ዘላ፡ እዛ ኣብ ርእሰይ ዘላ ሕበጥ ብመጥባሕቲ እንተተኣልያ፡ ናብ ንቡር ክምለስ’የ” ክትብል ብስምዒት ተደሪኻ ትዛረብ።ልዑል ኪሎ ዝተመዝነ የማናይ ጡብ ሰናይት

ይስሓቕ ኣብርሃም

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 4

ሱራፌል ተ/ብሩኽ

“በዓል ኣደይ፡ ኣብ ፈስቲቫል”ስሉስ ረፋድ - ደቀምሓረ03 መስከረም 2013

ከረን

ብማዕዶ ምርኵሱ ደርብዩ ብሓደ እግሩ ዝስዕስዕ ሰብኣይ ምስ ረኣና ኢና ናብቲ ጓይላ ገጽና ኬድና፣ ንቁሸታት ናይ ኵለን ንኡሳን ዞባታት ምስ ረኣና ከነዕርፍ ኢና ንኸይድ ኔርና፣ ኣብ ቅድሚ ቅርዓተን ነናተን ጓይላ ዝጻወታ ዝነበራ ባህላውያን ጕጅለታት ናይተን ንኡሳን ዞባታት ዞባ ደቡብ። ንተዓዘብቲ ከዘናግዓ ጀሚረን፣ ምስ ምጅማረን ከነዕርፍ ኢና ተበጊስና፣ እናሓለፍና ኢና ኣማዕዲና ሓደ ስንኵል ምርኵሱ ደርብዩ ክስዕስዕ ዝረኣና፣ ንያት ሓብተይ እያ ኣቐዲማ ርእያቶ፣ ብዘይ ሕቶ ስለ ዝመርሐትና ደድሕሬኣ ሰዓብና፣ ምሳና ኣደይ። ዓባየይን ኣባሕጎይን ነይሮም፣ ምስኦም ሰለይ እናበልና ናብቲ ዕሙር ቅርዓት ተጸጋዕና፣ ኣቦሓጎይን ዓባየይን ብመንእሰያት

ስድራቤትና ምሉእ “ዘናጣት” ሰብ ሓዳር ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ፣ ከምቲ ዝበዝሐ ናይቲ ግዜኦም ዝነበረ ኣገባብ መርዓ ኣይኰኑን ተመርዕዮም፣ ኣቐዲሞም ምቍር ፍቕሪ’ዮም ኣሕሊፎም፣ ብሕሜትን ሽምጠጣን ተበሊዕም ነይሮም፣ ክልተኦም ብወለዶም ተኸትኪቶም። በርበረ ተዓጢኖም። ምእንቲ ክፈላለዩ ሓደኦም ናብ ደምበ ዓድና ከም ዝኸይድ ተገይሩ፤ ግን ኣይዓጀቦምን፣ ስድራ ክልተኦም ብሰንኮም ኣብ ክንደይ ባእሲ በጺሖም እዮም፣ እንዳ ዓባየይ “ወድኹም ጓልና ጸይቕልና።” ይብሉ። እንዳ ኣቦሓጎይ ከኣ “ጓልኩም ግዳ ዘይትእክቡ። ከም ኣደታት ዘይትመስል። ደድሕሬኡ ጢልጢል ትብል ዘላ።” ይብሉዎም፣ ከምኡ ኢሉ ብዙሕ ህልኽን ትምክሕን’ዩ ሓሊፉ፣ ንክልተኦም ናብ ካልእ ከመርዕውዎም ጽዒሮም ኣይኰነሎምን፣ እንዳ ዓባየይ ከይሓፍሩ ስለ ዝፈርሑ ንካልእ ከመርዕውዋ ይደፍሩ ኣይነበሩን፣ ንሶም ግን ዋላ ሓንቲ ነውር ከም ዘይነበሮም እዮም ዘዕልሉና፣ መወዳእታኡ ግን ክልተኦም ወለዶም ኢሂን ምሂን ተባሂሎም፣ “ዝሃበና ንመን ክንህቦ ከም ድላዮም ንፈጽመሎም።” ተበባሂሎም ኣመርዕየሞም፣ በዓል ኣደይ ከኣ ካልእ ሰብ ዘይረኽቦ ብናጽነት’የን ዓብየን፣ ኣደይ ግን ናይ ኣባሓጎኣ እያ ወሲዳ፤ ትርር ትብለና እያ፣ክልተኦም ብጓይላ ጽሉላት’ዮም

ነይሮም፣ ኣቦሓጎይ ኣብ ጓይላ ከብሮ እሃርም። እምብልታን መለኸትን ድማ ይጻወት ነይሩ፣ ክራርን ዋጣን ግን ኢዱ ኣየንበረለንን፣ ዓባየይ ብጎርዞኣ እንከላ

ወናም ሳዕሳዒት እያ ነይራ፣ ደሓር ግን ከብሮ ትትብትቦ ኰይና፣ ኣብ ዓዲ ንሳ ዘይትሕወሶ ሓጐስን ሓዘንን የለን፣ ዓበየይ ዘይብሉ እንዳ ሓዘን። ሓዘን ጥራይ’ዩ ዝኸውን፣ ዕላላን ዳእላኣን ኣፍካ ኣየኽድንን እዩ፣ ናብዚ ፌስቲቫል ሒዝናዮም ምስ

መጻእና ብዙሕ ተሓጕሶም፣ እቲ ገሊኡ ጓይላ። “እንታይ’ዩ ደቀይ እዚ? ልብኻ ዝውትፍ ጓይላ’ኳ ኣይፈቱን።” ትብሎ ነይራ፣ ቴምቦ ናይቲ ህርመት ቀልጢፉዋ’ዩ መስለኒ፣ ኣባሓጎይ ከኣ “ሓቁ እንድዩ በዓል መለኸትን እምብልታን ክጠፍእ፣ ከምዚ ኢልካ ክትጻወተን ኣይትኽእልን ኢኻ።” በለኒ፣ ዓባየይ ሸነን እናበለት ከተዅድድ። ኣባሓጎይ ኣብቲ ስሕብ ኢሉ ዝድሰቕ ከበሮ። እምብልታኡ እናነፍሐ መቐረት ክውስኽ። ይረኣዮም ነይሩ፣ ምስቲ ጸጸኒሖም ዝሰምዑዎ ዝነበሩ ጓይላ ሕጕሳት ኣይነበሩን፣ “እምብልታ ከበሮ ስሕብ እናበልካ ዝጽወቶ ጓይላ’ዩ ቦታኣ።” ክብል ሰሚዐዮ ነይረ፣ ኣብዛ ዘላገሰትና ጓይላ። ክልተ ሰብ

እምብልታ። ክልተ ሰብ ክራር። ሓደ በዓል ዋጣን ሰለስተ ሰብ ከበሮን ይጻወቱ ነይሮም፣ ገሊኦም ኣባላት እታ ያታዊት ጕጅለ። ገሊኦም ከኣ ተሳተፍቲ ናይቲ ፌስቲቫል እዮም፣ “እህእ! ኣብዚ ንሀልካ ጓይላ...” ኢላ ዓበየይ እናቐረብና ክትስዕስዕ ጀሚራ፣ ኣብ ስምራ ናይታ ዘርከብናያ ጓይላ ኣትያ ክትስዕስዕ ኣተወት፣ ኒያት ሓብተይ ምስኣ ኣትያ፣ ኣደይ ሳዕስዒት ኣይትፈቱን እያ፣ “ካብ ደቀይ ናተይ ዝወሰደ የለን።” እያ ትብል ዓባየይ፣ ሓቃ’ያ፤ ኵሎም ዕቱባት እዮም፣ ኒያት ሓብተይ። “ፈታዊት ዓባያ”። ግን ንዓባየይ

እንተ ርእያ ሳዕስዒት’ያ ትጅመር፣ ዓባየይ ከኣ ዝሓዘቶ “ነታ ጓለይ” እናበለት’ያ ትዓቝረላ፣ ኣነ። ኣደይን ኣባሓጎይን ብሓደ ደው ኢልና ንዕዘብ ነበርና፣ “ትሰምዐን’ዶ ኣለኻ።” በለኒ ኣቦሓጎይ፣ “ኣየኖት?” በልኩዎ ናብ እዝኑ ለጊበ፣ “እዘን እምብልታ፣” ምስቲ

ኣነፋፍሓኦም ትኸቲለ ክረኽበን ክኢለ፣ እቲ ማይክረፎን ካብአን ርሒቑ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ይስማዓ ኣይነበራን፣ መዓስን ኣበይን ክንጥቀመለን ንኽእል ዝፈልጥ ኣዋሃሃዲ እንተ ዝህሉ ክንዲኡ ኣይምሃሰሳን፣ ስብራ ተዛዚሙ። “ሓደ... ሓደ...” በለ፣ ዓባየይ ሞፍቶኣ ረኺባ፣ እቲ ደርፊ እንተ ሰማዕኩዎ “ከበሮ ስሕብ እንተ በለ’ዩ...” ዝበሎ ኣባሕጎይ ዘከርኩዎ፣ ዓባየይ’ውን “ልብኻ ውትፍ ውትፍ ዝብል ጓይላ’ኳ ኣይፈቱን።’ ዝበለቶ’ውም ዝያዳ በርሃለይ፣ ዓባየይ ኣብ ቀላይ ተንሳፍፍ ዘላ ማይ ደርሆ መሰለት፣ ቍሩብ ጕንብስ ኢላ። ክዳናን ነጸላኣን ንኣእጋራ ከዊሉዎ ሸተት እናበለት ከተዅድድ እንከላ ኣዝየ ተመሰጥኩ፣እቲ ደራፋይ ናይ ወዲ-መስመር

ዝብሃል ህቡብ ደራፋይ ጽልማን ሓምሴንን ይደግም ምንባሩ ኣዕሊሉኒ፣ እቲ ጓይላ ናይ ሰብ ወኒ እዩ ነይሩ፣ መንእሰያትን ዓበይቲን ብሓደ ይስዕስዑ፣ ሰብ ከበሮ ብሓደ ይዘሉን ይድስቑን። ደራፋይ ምስቲ ምጥጥ ዝበለ ደርፊ ወዲ-መስመር። ኣደራርፋኡ እናጥዓመ ንኵሉ ሰብ ልቡ ይሰልቦ ነይሩ፣ “ወኒ!” ክብል ኣባሓጎይ ተራእየኒ፣ ኣብዚ ግዜ “ወኒ” ጠፊኣ ምህላዋ’ዩ ዝዛረብ፣ ነቲ ኣብ ክሊፓትና ዝርእዮ ሳዕስዒት “ወኒ የብሉን።” እናበለ ኣጽሚሙና እዩ፣ “ወኒ ዘይብሉ ሳዕስዒት ንረኣይኡ’ኳ ኣየብህግን።” ይብለና፣ ኣብ ሞንጐ ጥሩምባ ዝነፍሓ ኣደ ረኣኹ፣ እዘን ኣደ። ቴምፖን ህርመትን ዘይወነን መን ምሂሩወን፣ እቲ ጸጸኒሐን ዝነፍሕኦ ጥሩምባ መዓስ ይገብርኦ ጽቡቕ ገይረን ይፈልጣ እየን፣ ነቲ ጣዕሚ መሊሰን መዓር ከም ዝውስኻሉ’ዩ፣“ወኒ!” ክብል ኣባሓጎይ ከም ሎሚ

ገይረ ኣየስተማቐርኩዎምን፣ “ወኒ” ኣብዚ ጓይላ። ነቲ መሳርሒታት። ደራፋይ። ሃረምቲ ከበሮ። ሳዕሳዕቲን ተዓዘብቲን ዝዓበየ ናይ ሓባር ረቛሒኦም ነይሩ፤ ወኒ!፣ ኣብ ኵሉ ህይወትና “ወኒ” ናይ ሓባር ረቛሒና ክኸውን እንከሎኸ!?

ጃምቦ

14 ሚያዝያ 2014

ምንጪ ደስታይ6።15 ድ.ቐ. ዓረዛ

ብቕኒኡ ሕጕስ ምህላወይ ኣይኰነን’ዶ ንስኺስ ዝዀነ ሰብ ኣስትውዒሉለይ ይኸውን፣ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ተሃራፊ ነገር ፍቕሪ’ዩ፣ ፍትወት ተሰሚዑኒ ከፍቅር ምኽኣለይ ዘሐጕስ እንድዩ። ከምቲ ዝደልዮ ክጭብጦ ምኽኣለይ ከኣ ከምቲ ዘየለ ተሓጕሰ ኣለኹ፣ ክንደይ እዋን በይነይ ዘይተጓዓዝኩ! ክንደይ እዋን ምስ ጽምዋ ተፋጢጠ ዘይሓለፍኩዎ! ሎሚ እታ መባርርተይ። ካልአይቲ ክንፈይ። ኣብ ጐነይ ኰይና ብተመስጦ ተዕልለኒ ኣላ፣ እዚ ከባቢየይን ደስ ዘብል ኵነት ተፈጢሩሉ፣ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ክሳብ ሎሚ ኸ ከመይ ኢለ’የ ብሓደ ክንፊ ጸኒሐ፣ ከይገረመኒ ኣይተረፈን!! እንተ ሎሚ ምልኣት ልበይ ክዛይድ እፍለጠኒ ኣሎ፣ንፍቕሪ ዘይብህግ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን፣ ገለ ሰብ ንፍቕሪ ክረብ ላዕሊን

ታሕቲን ይብል። ገለ ከኣ ብኮፍ ባዕሉ ይመጽኦ’ዩ፣ ፍቕሪ ይመጽኣካ ድዩ ትኸዶ ብዙሕ ግዜ ሕቶ ዝዀነኒ ሓሳብ እዩ፣ ድሒረ ግን ሓንቲ ጽሕፍቲ ረኺበ፤ ፈትየ’ያ ድማ፣ “ ም” ፣ “ፍቕሪ ከምዚ ሓደ ነገር ደሊኻ ትረኽቦ ኣይኰነን፣ ፍቕሪ ባዕሉ’ዩ ዝረኽበካ።” ትብል እያ፣ ኣነ ንብዙሕ እዋን ክሃድኖ ፈቲነ፤ ክረኽቦ ግን ኣይከኣልኩን፣ ተምንዩኒ ምስ ገደፍኩዎ ግን ባዕሉ መጺኡኒ፣ መንና ከም ዝደለየ ብዘየገድስ። ምስ ፍቕሪ ጎፍ ንጎፍ ተራኺብና፣ እንሀና’ኳ ኣፍ ንኣፍ ተቐራሪብና ከነዕልል በቒዕና፣እዚ ዘይምኖ ዕላልን ጸወታን ፍቕሪ ሓንሳብ ምስ ኣተኻዮ ኣይምኖን እዩ፣ ካብቲ

ዘለኻዮ ኣልዒሉ ኣብ ናይ ሓጐስን ደስታን ባሕሪ ዘንሳፍፈካ ተሃራፊ ነገር፣ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ተሰዊሩኒ ነይሩ እናበልኩ ካብ ምስቍርቋር ዓዲ ኣይወዓልኩን፣ ከምዚ ሓደ ነገር ኣብ ቅድሜኻ እንከሎ ግን ንኣእምሮኻ ገለ ነገር ይጋርዶ’ሞ። ነቲ ዝደለኻዮ ከየስተውዓልካሉ ትሓልፍ’ዩ፣ ልክዕ ከምኡ ኢና ምስ ፍቕሪ ክንተሓላለፍ ግዜ ብሊዕና፣ ለከስ ሓቁ’ዩ ስዒድ ብርሃኑ። “ቍሊሕ በሊ ሚለን።” ኢሉ ዝደረፈ፣ ሰኣን ቍሊሕ ምባል ክንደይ ፈቃር ልቢታት ዝቕበለን ስኢነን ኣብ ህዋ ዝዝንብያ ኣለዋ፣ ቈላሕታ እቲ መሰረታዊ ነገር’ዩ፣ ቈላሕታ ነታ ምቃል ጐነይ። ካልአይቲ ክንፈይ፣ ከምቲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትዝንብዮ። ፈቃር ልቢታት ኣብ ዙርያ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ። ብርሃን ፍቕሪ ክምጥዋ ይዝንብያ እየን፣ ጸሓይ ብግዜ ቀትሩ ጥራይ እያ ብርሃን ትህብ፣ እዘን ፈቃር ልቢታት ግን ብግዜ ለይትን ቀትሪን’ዩ ብርሃነን ይደጕሕ፣ ናይ ትማሊ ህይወተይ እንክዝክር። ሓደ ዓቢ ንገር ጐዲሉኒ ምንባሩ እስወጠኒ፣ ንሱ ድማ እቲ እንኮ መወዳድርቲ ኣልቦ ፍቕሪ’ዩ፣ ሕጂ ግን ረኺበዮስ ክሕጐስን ልበይ ክመልኣለይን ጀሚሩ፣

AVRAM9።30 ምሸት

ጆርናል

ምልኣት ፍቕሪ10 ሚያዝያ 2014

ወትሩ ጸሓይ ኣብ ኣጋ ምዕራባ ኣብ ዝሃለኹ ይሃሉ ናብዚ ቦታ’ዩ ዘንፍጸኒ፣ መዓስን ብኸመይን ናብዚ ቦት ምምጻእ ከም ዝተላመድኩዎ ብርግጽ እዚ እዋን’ዩ ክብሎ ኣይክእልን እየ፣ እዛ ጸሓይ ክትዓርብ እንከላ ዝያዳ እንክትጽብቕ። ንሳ ትፈጥሮ ንኽትርእዮ ደስ ዘብል ሕብራዊ ጩራታታ ከይከውን ፍቕሪ ኣትሒዙኒ፣ እዚ ዘለኹዎ ቦታ ብዘይካ እቲ

ብብርቱዕ ንፋስ ዝነዋነው ዘሎ ኣግራብ። ካልእ ጸጥ ኢሉ ጽምዋ ኣሎ፣ ኣብዚ ኰይነ ነቲ ጸሓይ ትዓርበሉ ኣኽራናት ምዕዛብ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝያዳ ባህታ ዝፈጥረለይ ነገር እዩ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ክፋል ናይታ ትዓርብ ዘላ ጸሓይ ብደበና ክጋረድ እንከሎ። እቲ ዝተረፈ ኣካላ ግን ሃሳስ ናብ ቀይሕ ዝኸደ ሕብሪ ዘለዎ ጩራታት ይፍኑ ኣሎ፣ ኣዚ ድንቂ ጩራታታት ኣብዞም ነዋሕቲ ኣኽራናት ጐሊሖም ይረኣዩ፣ ነዚ ምጩው ጩራታት ብምፍናው ድምቀታ እናሃሰሰ እትዓርብ ጸሓይ። ወትሩ

ዝዕዘባ መቐረታ ኣይጐድል። ምስትምቃረይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓበየ። እናኦኣመቘ ይኸይድ፣ ናይ መዓልቲ ናብራይ ክትውዳእ እንከላ ከኣ ክርእዮ እብህግ፣ “ስለምንታይ ከምዚ ይኸውን ኣለኹ? እንታይ እዩ ኣብ ዕራርቦ ናብዚ ዘጕየየኒ?” ኢለ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ግዜ እንተ ተማጐትኩ። መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን፣ ጸሓይ ኣብ ዕርበታ ምሳይ እንታይ ምትሕሓዝ’ዩ ዘለዋ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን፣ እዞም ኣኽራናት ብኢዶም ብድሕሪኦም ዝሓብኡዋ ክትመስል። ተኸዊላ ኣላ፣

እቶም ንሰማይ ገጾም ዝውንጨፉ ምጭዋት ጩራታታ ግን ገና ምስ ሓይሎም ንጽባቐኦምን ኣለው፣ እቲ ባህታ መሊኡዎ። ዓለሙ ረሲዑ ዝጸንሐ መንፈሰይ። ናህታ ክርሕቆ ጀሚሩ ኣሎ፣ ጽቡቕ ነገሩ ግን ጽባሕ ከምዚ ሕጂ’ውን እቲ ባህታ ዝፈጥረለይ ነገር ክረኽቦ ምዃነይ እዩ፣

ቴዲ - ዓረዛ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 5

ኣብ ዝጀመርኩዎ ስራሕ ቀልጢፈ ንኽዕወት ብምሉእ ዓቕመይ እየ ዝጽዕር። ዓወት ብምሉእ ዓቕምኻ ሰሪሕካ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትበጽሖ ኣለካ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ክበጽሖ እየ ኢልካ እንተ ነቒልካ ዘይብጻሕ ከም ዘየለ እውን እምነት ኣለኒ። ናብ ዕላማይ ክበጽሕ ኣበርቲዐ እናሰራሕኩ መሰናኽላት ክገጥመኒ ከሎ ግን ቀልጢፈ ተስፋ እቖርጽ። ብሓሳበይ ዝገጠመ እንተ ገጠመኒ ኣብ ዝደለኹዎ ክበጽሕ ኣለኒ ኢለ እንተ ወሰንኩ’ኳ፡ ኣብ ግብሪ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይከኣልኩዎን። ኣብ ዝጀመርኩዎ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ንኽዕወት እንታይ የድልየኒ’ባ ሓብሩኒ።

ኣቤል ካብ ኣስመራ

“ዓወት እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ ኣሰላስሎ። እቲ ብዓቕምኻ ክትበጽሖ እትኽእል ዝለዓለ ዓወት፡ ጽንፊ ዓቕምኻ ንኽትጽዕር የገድደካ። ዝበጻሕካዮ ዕላማ ወይ ሕልሚ ብመጠን’ቲ ዝኸፈልካዮ ዋጋ እንክምዘን እዩ ድማ መንፈሳዊ ዕግበት ዝፈጥረልካ። እምባ ናይ ሕልምታትካ፡ ብእምባ ናይ ጻዕርታት እዩ ዝብጻሕ። ኣብ ጉዕዞኻ ብዙሓት ከበድቲ ነገራት ከጋጥሙኻ እዮም። ተስፋ ከትቆርጽ ከምኡ’ውን ጻዕርኻ ከተቋርጽ ክሳብ እትደናደን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሚስጢር ዓወት ግን፡ ነቶም ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈተናታት ኣብ ምስጋር እዩ ዘሎ። ጉዕዞ ዓወት ኣድካሚ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ኩሉ ሰብ ዕዉት ምዀነ። ዓወት ድማ ካብ ተራ ሂወት ፍሉይነት

ተስፋ ንኸይቆርጽ

ኣይምነበሮን። ከም’ቲ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ድቕድቕ ጸላም ዝህሉ፡ እቶም ናብ ዓወት ዝመርሑ መንገድታት ተረርትን ፈተንትን እዮም። ነዚ ብምእማን፦ ፈለማ ኣብ ገዛእ ክውንነትካን

ዓቕምኻን ተደሪትካ ወጥን። ሕልምታትካ ልክዕ ከም’ቲ ናይ እዋን ድቃስ ሕልምታት ዘይክውንነታውያን ብድቁስካ ክትፍጽሞም ትህቅንን እንተ ዄንካ፡ ግዜኻ ከየጥፋእካ ናእሽቱን ክትቆጻጸሮም እትኽእልን ትልምታት ምድላው ይሕሸካ። ኣብ ትልምኻ ክትበጽሖ እትኽእልን ዘይትኽእልን መሚኻ ፍለጥ። “ክበጽሖ’የ ኢልካ እንተ ነቒልካ ዘይብጻሕ የለን” ዝብል ጭርሖ ናይ ዕዉታት እምነት እንተ ዀነ’ኳ፡ ኣብ ጥራይ ኢድካ ቃሕ ዝበለካ ደረጃ ክትበጽሕ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ዓወት ብናይ መወዳእታ ዓቕምኻ ትልኽ እናበልካ ክትከዶ ዘገድድ ኣጋጣሚታት እውን ኣለዎ። ኣብ 1992 ኣብ ባርሰሎና ኣብ

ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ውድድር፡ እቲ ንኽዕወት ሓያል ባህጊ ዝነበሮ ኣትለት ድረክ ረድሞንድ፡ ኣብ ፍርቂ ጉዕዞ እንከሎ ኣትለት ከቢድ ማህሰይቲ ኣጋጠሞ። እቲ ኣመና ዝጸዓረሉ ሕልሙ ድማ ክበንን በለ። ተሸላሚ መዳልያ ወርቂ ናይ ምዃን ባህጉ። ኩይኑ ግና ረድሞንድ -

ከም’ቲ መብዛሕትኦም ኣትለታት ሓደጋ እንክገጥሞም ንገዛእ ነብሶም ከም ስዑራት ገይሮም ጸወታ ዘቋርጹ፡ ዝሓርቁን ዝነብዑን ዘይኰነስ ተስፋ ከይቆረጸ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክሰግር እዩ ወሲኑ። ምስ መጉዳእቱ ካብ መሬት ብድድ ብምባል እናተሳቐየን ሰንደልደል እናበለን ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ገጹ ተሳለየ። ብሰሪ ቃንዛኡ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ክበጽሕ ምስ በለ፡ ወላዲኡ ኣጆኻ እናበለ ከሰንዮ ረኣየ። ረድሞንድ ምስ ብርቱዕ ቃንዛኡ ስኑ ነኺሱ ማዕረ ማዕረ እቲ ዘሰንዮ ዝነበረ ኣቦኡ መዛዘሚ ሕንጻጽ ድሕሪ ምርጋጹ ኣብ መንኩብ ኣቦኡ ተደጊፉ በኸየ። ነቲ ዝተበገሰሉ ሸቶ ንምብጻሕ ወላ’ውን ምስ ወደቐ ተስፋ ኣይቆረጸን። ኣብ መንገዲ ዓወት ተስፋ ምቑራጽ ቦታ የብሉን።

ጓል 20 ዓመት መንእሰይ እየ። ኣብ’ዚ እዋን ምስ ዝሰማምዓኒ መጻምድቲ ሓዳር ዝገብረሉ ዕድመ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ጥዑይ መጻምድቲ ክረክብ ድልየት ኣለኒ። ውሑዳት ዘይኰኑ ደቂ ተባዕትዮ ዝቐርቡንን ገሊኦም ንፍቕሪ ገሊኦም ንሓዳር ዝሓትቱንን እንተ ዀኑ’ኳ፡ ካብ’ዚኣቶም ክልተ ኣወዳት ግን ንሓዳር ካብ ዝሓቱኒ ኣትሒዘ ክሓስበሉ እየ እናበልኩ ነዊሕ እዋን ጸኒሐ ኣለኹ። ምስ ሓዲኦም ሓዳር ክገብር ኢለ እየ ወሲነ። ከም ዝመስለኒ ን ኽ ል ቲ ኦ ም ዳርጋ ማዕረ እየ ዝርእዮም። ንመኖም ከም ዝመርጽ ጨኒቑኒ ስለ ዘሎስ ብኸመይ ከም ዝመርጽ ሓበሬታ ሃቡኒ።

ሊላይ - ካብ ከረን

ዝኸበርኪ ሊላይ፡ እዚ ኣጋጢሙኪ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ክስተት እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዝምእመአን ወዲ ተባዕታይ ንኽረኽባ ኣማራጺታት እንተ ኣብዝሓ ዝጽላእ ኣይኰነን። ገለ እውን ምናልባት ምስ ሓደ እንተ ዘይኮነለን፡ ትሕጃ ከጽንሓ ከምዝግባእ’ዮም ዘረድኡ ኣብ’ቲ ዓውዲ መጽናዕቲ ዝገበሩ ፈላጣት። ሓዳር እቲ ዝዓበየ ናይ ህይወትና ውሳኔ

ኣብ ምርጫ ተማቲአብፍቕሪ ካብ እንጓዓዝ ሰለስተ ዓመት

ገይርና ኣለና። ኣነ ብልቢ እየ ዘፍቅራ። ንሳ እውን ኣመና ከም እተፍቅረኒ ኣብ ጉዕዞ ፍቕርና ኣረጋጊጸ እየ። ክሳብ ቀረባ እዋን ንሳ ትምህርታ ምስ ወደአት ቃል ኪዳን ኣሲርና ብሓንሳብ ክንነብር እዩ ነይሩ ናይ ወትሩ ባህግና። ሎሚ ግን ልባ ናብ ወጻኢ ሸፊቱ። ዕላላን ትምኒታን ናብ ወጻኢ ሃገር ምኻድ ጥራይ ኰይኑ። ኣመና አፍቅራ ኰይነ እምበር ባህግታታ ዓቕለይ ከወዳኣኒ ደልዩ ኣሎ። ሕጂ ከኣ’ሞ ሕሉፍ ሓልሊፉዋ “ኣእጋረይ ኣብ ኤውሮጳ ከየንበርኩ መርዓ ዝበሃል ኣይገብርን እየ” ዝዓይነቱ ውሳነ እያ ወሲዳ ዘላ። ንሳ ትኹን ኣነ ዝሰኣናንዮ የብልናን። ድሕሪ ሓዳር እውን እንተ ወሓደ ማእከላይ መነባብሮ ንኽንመርሕ ዝጎድለና የለን። ኣነ ካብ ሃገረይ ክወጽእ ስለ ዘይደሊ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕና ካብ ኢደይ ከይትወጽእ እፈርሕ ኣለኹ’ሞ ብኸመይ ከርግኣ ከም ዝኽእል ገለ ምኽሪ ሃቡኒ።

ፈቃር ካብ ኣስመራ

ንልቢ ኣፍቃሪትካ ዘሸፈተ ምንጪ ኣበየናይ ምዃኑ ክትምርምሮ ዘለካ ይመስለና። ኣፍቃሪትካ ቀደም እውን ወጻኢ ሃገር ከም ዘሎ ትፈልጥ ነይራ እያ። ሃንደበት ልባ ከሸፍታ ዝኸኣለ ገለ ምስጢር ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና። ምናልባት ናይ ዓርከ መሓዛ ወረን ጽልዋን ክኸውን ይኽእል። ወይ እውን ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ፍቕራዊ ጉዕዞ ‘ደጊም ይኣኽለኒ’ ኢላ ወይ’ውን ይሕሸኒ እዩ ዝበለቶ ሰብ ጠሚታ ክትከውን ስለ እትኽእል ብኣተኩሮ ተዓዘባ። ንስኻ ዘይትደልዮ ወይ

ክትገብሮ ዘይትኽእል ጠለብ ብምቕራብ፡ ኣብ መወዳእታ ምስምማዕ ምስ ሰኣንኩም ካባኻ ክትርሕቕ መመኽነይታ ክዀና ደልያ ክትከውን ትኽእል። ስለ’ዚ ቀንዲ መንቀሊኣ ክሳብ ዘይፈተሽካዮ መፍትሒኡ ክረኣየካ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈን ኣብ ሕጅን ዘምጽኣቶ

ናይ ባህሪ ፍልልይ ተዓዘብ። ምስ ዓርከ መዘና ኣመና ትጠብቕ ኣላ እንተ ድኣ ኰይና ድፍኢት ናታቶም ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ንስኻ ብዛዕባ ወጻኢ ሃገር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኽህልዋ ሓግዛ። ምናልባት ኣብ ወጻኢ ምንባር ከም መንግስተ ሰማይ ገይራ ቆጺራቶ እንተ ሃልያ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ወጻኢ ምንባር ኣብ መንጎ መንግስተ ሰማይን ገሃነምን ምንባር ከም ዝዀነ ንኽትርዳእ ሓግዛ። ካባኻ ንኽትርሕቕ ዝተጠቕመትሉ ሜላ እንተ ድኣ ኰይኑ ድማ፡ ካባኻ ዝሰኣነቶ ነገር ክህሉ ስለ ዝኽእል ስምዒታታ፡ ድልየታታ፡ እናምበብካ ክተሐጉሳ ክትብገስ ኣለካ። ንስኻ ሸለል ኢልካ እትሓልፎም ንሳ ግን ዓበይቲ እትቖጽሮም ፍቕራዊ መማቕርቲ ከም ዝህልዉ ኣይትዘንግዕ። ብውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ጽባቐእእ ከተድንቓ ባህ ይብላ ይኸውን። ንእተቕርቦም ሓሳባት ክትግደሰሎምን ከተዘራርባን ድልየት ይህልዋ። ብስድራ ቤታ ክትግደስ ትደሊ ትኸውን። ስለ’ዚ ንሰለስተ ዓመታት ምሳኻ ስለ ዝተጓዕዘት ብዙሕ ብዛዕባኣ እትፈልጦ ነገራት ኣለካ’ሞ፡ ብዘይምስትብሃል ወይ ሸለል ኢልካ ዝሓለፍካዮም ነገራት እናዘከርካ፡ ከመይ ዝበለ ዘሐጉሳ ግብረ መልሲ ክትህባ ከም ዝነበረካን ዘለካን እናሓሰብካ ባህ ከም ዝብላ ግበር ንብለካ።

ኣካላ ምሳይ፡ ልባ ኣብ ኤውሮጳ

ከም ምዃኑ መጠን፡ ረጊእኪ ክትሓስብሉ ከም ዘለኪ ዝኣመንኪ ይመስለና። ንኽልቲኦም ዳርጋ ማዕረ

ከም ከም ትፈትውዮም ኢኺ ትገልጺ ዘለኺ። ስለ’ዚ ሓደ ንሓዳር ዝዀነኪ መጻምድቲ ንምምራጽ ምፍታው ጥራሕ ኣኻሊ ከም ዘይኰነ ክትግንዘቢ ክኢልኪ ኣለኺ ማለት እዩ። እቲ ንሓዳር እትደልይዮ ወዲ ተባዕታይ ከመይ ዝበለ ክኸውን ከም ዝግባእ ንነብስኺ ሕተትያ። ንኽልተኹም ከራኽቡኹም ዝኽእሉ ነገራት ብደቂቕ ኣድህብሎም። ንሱ እንታይ ይፈቱ? እንታይከ ይጸልእ? ኣብ ምንታይ ይግደስ? ኣብ ምንታይከ ኣይግደስን? እናበልኪ ንኽልቲኣቶም ብዕምቆት መርምርዮም። ንኣብነት ንስኺ ፈታዊት ዕላልን ጸወታን እንተ ዄንኪ፡

እቲ ሓደ ከምኡ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ ባህ ኣይትብሎን ትኸውን። እቲ ሓደ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ዘሎ ኣነባብራ ብኽፉት ክዛረብ ዝደሊ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሓደ ግን ኩሉ ኣብ ውሽጡ ዓቚሩ ቅርሕንቲ ዘዋህልል ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓደ

ሓሻሺ፡ እቲ ካልእ ድማ ኣመና ቆጣቢ ክኸውን ይኽእል። እቲ ሓደ ናይ ሰብኣይ ዕብለላ ከርኢ ዝደሊ፡ እቲ ሓደ ድማ ምሳኺ ማዕረ ሓላፍነት ክማቐል ዝደሊ

ክኸውን ይኽእል። ነዚኦምን ከምዚኣቶምን ዝኣመሰሉ ነጥብታት እናዘርዘርኪ

ምስ’ቲ ንስኺ እትደልይዮ

እናዛመድክን ኣወዳድርዮ። ነቲ ብብዙሕ ነገራት ምስ ናትኪ ባህርያትን እምነትን ዝጋጠም ወዲ ክትመርጺ ኣመት ክህበኪ እዩ። ምናልባት እውን ቁጠባውን ኣእምሮኣውን ዓቕሞም ከተነጻጽርዮ ተገዳስነት እንተ ሃልዩኪ ኣብ ግምት ኣእትውዮ። ነቶም ዝሓዝክዮም ነጥብታት ምስ መለስኪ ናብ ክልቲኦም ኣቋምቲ። ኣብ ሓዳር “እቶም ክልተ ሓደ ይዀኑ” ከም ዝበሃል፡ ዝያዳ ኣብ’ቲ ከም ኣካልኪ ኰይኑ ክነብር ዝኽእል ሰብ ኣተኩሪ። ደሃይ ልብኺ ሰሚዑ ድሌታትኪ ንኽፍጽመልኪ ድሉው ምዃኑ ኣርጋጊጽኪ ፍለጢ። ነዚ ኩሉ ኩነታት ኣመዛዚንኪ ድማ ወስኒ።

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ጽገሮማ ይስሓቕ ክፍለ ምባል ተሪፉ፡ ጽገ ይስሓቕ ክፍለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/10/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ሉሉ ገ/እግዚኣብሔር ጓንጉል ተኸሳሲ ኣቶ ሰለሙን ገ/ሂወት ኪዳነ ዘሎ ናይ ሲቪል

ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ሰለሙን ገ/ሂወት ኪዳነ ን28/10/14 ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ላ/ቤ/ፍ ቁ.40 ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለዉሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ንጽህቲ ተስፋጽዮን ተኸሰስቲ 1.ኣለም ደበሳይ +10 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ 1.ኣቶ ደጎል ደበሳይ 2.ወ/ሮ ምብራቕ ደበሳይ 3.ኣቶ ፍጹም ደበሳይ ብመጸዋዕታ ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ ተጸዊዖም ን21/10/14 ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ላ/ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ቁ.28 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ድማ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ብፍ/ሰብ መሰል ወረ/ነፍ ይሕደጋ ሓድጉ ኣዲግ ቀሺ ሃብተ ዑቕባጋብር +12 ንብፍ/ሰ/ዕዳ ወረ/ነፍ/ይሕደጋ ሓድጉ ኣዲግ ወረ/ነፍ ተስፋማርያም ዑቕባጋብር

ተተካእቲ ብርኽቲ ተ/ማርያም +5 ብናይ ኣፈጻጸም ሕቶ ስለዘቕረቡ እዞም ብፍ/ሰ/ዕዳ ን28/10/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ኣብ ዘየለኽምሉ ቤ/ፍ ውሳነ ከምዝህብ ነፍልጥ።

ራፊኤል በኒኒ ምባል ተሪፉ፡ ሩፋኤል ተኽለማርያም ቶኹሩራይ ተባሂሉ ይተኣረመለ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/9/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲ ባንክ ልምዓትን ወፍርን ኤርትራ ተኸሰስቲ ዘሳም ውሁድ ሕርሻ (ሓ/ብ/ዝ/ማ) +2 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲት ወ/ሮ ኢትዮጲያ ዘርኣይ ን15/10/14 ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ኣብ ላ/ቤ/ፍ ቁ.40 ንግዲ መጋባኣያ ትቕረብ። እንተዘይቀሪባ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለወትሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

ወ/ሮ ለተብርሃን ገብረመስቀል ሃብተንኪኤል በዓል ቤተይ ኣቶ ገብረስላሰ ቀላቲ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/9/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 7

ደቅና ወነንቲ፡ ድልዱል ጥዕና ፍሉይ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ድልዱል ማሕበራዊ ዝምድናታት

ብድስፕሊን ዝተሃንጹ ከምኡ’ ውን ኣብ ትምህርቶምን ሓፈሻዊ ንቕሓቶምን ጸብለል ዝበሉ ኮይኖም ንኽዓብዩ ወለዲ ክንክተሎ ዘለና ኣልያን ክንክንን ብደቂቕ እተስተምህር ፍልይቲ መጽሓፍ! “…ብሉጻት ቆልዑ ከተዕብዩ ንእትብህጉ ወለዲ ዝምነያ መጽሓፍ” ዶክተር ሰናይት ባህታ “… ደቁ ኣብ ማዕርግ ዘብጸሐ ወላዲ እውን እንተኾነ ከንብባ ዘለዎ ፍልይቲ መጽሓፍ” ዶክተር ነጋሲ ልኣከ “… ኩሎም ግዱሳት ወለዲ ከንብብዋ ዘለዎም ኣገዳሲትን እዋናዊትን መጽሓፍ” ፕሮፌሰር ኣበበ ክፍለእየሱስ ኣብ 'ስተሽነሪታት፡ ንዝኾነ ውከሳ ብመስመራት፡ 07236672 /119857 ተወከሱ

ንኣስታት 12 ዓመት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተኸታተልቲ ዛንታታት ዘቕረበ፡

ቅድሚ ሕጂ ‘ልቢ ሳሌም’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ብንያም ፍስሃጽዮን፡

ሎሚ ድማ 321 ገጽ ዘለዋ ‘ሕብእቲ መልኣኽ’ ዘርእስታ 14 ዛንታታት ዝሓቖፈት መጽሓፍ፡

ኣብ ኩለን ኣብያተ መጽሓፍቲ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ከምኡ’ውን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 ብርትዓዊ ዋጋ ተቐሪባትልኩም ኣላ።

ብስራት ነፍቀርቲ ልብ ወለድ ‘‘ሕብእቲ መልኣኽ’’

ንዝያዳ ሓበሬታ ብቑ.ሞባይል 07142489 ተወከሱ።

ምልክታ

ወ/ሮ ሳሊሓ ኣሕመድ ማሕሙድ ዝተፈቕደለን ናይ መሸጥን መስፈይን መጋረጃን መንጸፍን ትካለን “ማናል መሸጥን መስፈይን መጋረጃን ምንጻፍን” (MANAL CURTAIN AND CARPETS) ተባሂሉ ክስየመለን ስለዝሓተታ፡ እቲ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤ/ፍ መኣገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቆጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 8

ብንያም ፍስሃጽዮን

ተዂላ ከተማመበል 34 ክፋል

ተዅላ ከተማ፡ ኣብ 2004 ሃማመተአ ብስም ዋሪ ፕሮዳክሽን ኣብ ዝዓደሞ ናይ ፊልም ጽሑፋት(script) ዉድድር፡ ኮሎኔል ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳመይቲ ዝወጸት ስራሕ’ያ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ቀይሕ ሕብራ ብሕርቓን ኮሚደረ መሲሉ ነበረ። ኣብ ዉሽጣ ዝግንፍል ዝነበረ ነድሪ ንደገ ከይከዓወቶ ትሰክን ኣይትመስልን። ዳትሱን ዝዓይነታ ማኪናኣ ኣብ ኣፍደገ ስራሓ ደዉ ኣቢላ ህድኣት ብዘይብሉ መገዲ ንዉሽጢ ኣተወት። ሞባይላ ገንዘብ ስለ ዘይነበራ’ያ ኣብ ቀዋሚ ናይ ስርሓ ተሌፎን ክትድዉል ተሃዊኻ።ኣልማዝ ክትቅበላ ናብኣ ንዘምርሐት

ሰራሕተኛ ጉስይ ኣቢላ ልዓት ተሌፎን ጨበጠት። ኣተነፋፍሳኣ ይቆራረጽ ነበረ። ስምዒታ ማዕበል ኣናዊጽዎ ከም ዝጭነቕ ባሕሪ ንዉሽጣ ይገላብጦ ነበረ። “ዓምና ደኣ ደሓን ዲኺ?’’ ኩነታት ኣልማዝ ዘየቕሰና ሰራሕተኛ፡ ከምኡ ኰይና ርእያታ ስለ ዘይትፈልጥ ብሓልዮት ሓተተታ። ኣዒንታ ኣብ ገጽ ኣልማዝ ተኺላ’ያ ትህባ መልሲ ትጽበ ነይራ። ካብ ገጽ ኣልማዝ ገለ ነገር ክትረክብ ዝተሃንጠየት ትመስል። ‘እንታይ’ዩ ኣጋጢምዋ?’ ዝብል ሕቶ ብዘይ መልሲ ኣብ ዉሽጣ ይመላለስ ነበረ።“ኣንቲ ቈልዓ ኣበይ ኣለኺ?’’

ጨደረት ኣልማዝ። ንሰራሕተኛኣ ብዙሕ ግምት ኣይሃበታን። “ደልየኪ ኣለኹ ሕጂ ናብ ስራሕ ምጽእኒ!’’ ተሪር ትእዛዝ ኣሕለፈት። “ኣንቲ ቈልዓ ኣብ ዘለኽዮ ከይመጽእ ባዕልኺ ምጺ እብለኪ ኣለኹ።’’ ልዓት ተሌፍን ናብ ቦታኡ መለሰቶ። ንሱ’ዉን ኣደዳ ሕርቃና ካብ ምዃን ኣይተናገፈን። ‘ገዉ!’ ዝብል ድምጺ ክሳብ ዘስምዕ’ያ ነንሕድሕዱ ኣጋጭያቶ።“ዓምና ህድእ በሊ!’’ በለት

ሰራሕተኛኣ ኰፍ ክትብል መቐመጢ እናቐረበትላ። ኣልማዝ ግና ኣብቲ ዝተቐረበላ መንበር ኣይተቐመጠትን። ኣብ ክንድኡ ብቐጥታ ናብታ ፍልይቲ ክፍላ ከይዳ ኣብ ሶፋ’ያ ተረይዓ። “ኡፍ!’’ ኣልማዝ ብዕምቆት

ኣስተንፈሰት። ስምዒታ ምስ ኣንፈሰት ዝህዉጻ ዝነበረ ሕርቓን ብከፊል ህድእ ኢሉላ ነበረ። “እንታይ ዓይነት ስዲ ቈልዓ’የ ወሊደ ፈጺሙ ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ዕድለይ ድዩ ኰይኑ ኣንቲ ኣስቴር!’’ ንብዓት ዘዕቆረ ኣዒንታ ኣብ ልዕሊ ኣስቴር ተኸለቶ።“እንታይ’ያ ኰይና ደሓን ድያኸ?’’

ኣስቴር ብስግኣት ሓተተት።“ንሳ ግዳ እንታይ ክትከዉን? ኣነ’የ

ዝሕመስ እምበር ዓሻ ደኣ እንታይ ከይከዉን ኢልክዮ ኢኺ! ከመይ ሓሪቐ መስለኪ።’’ ግንባራ ደጊፋ ደነነት። እንቅዓ እናስተንፈሰት ድማ ነቲ ዉሽጣ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ኣየር ቀስ ብቐስ ከተዉጽኦ ጀመረት።“ከምኡ ገይርኪ ኣይትነድሪ ዓምና፡

ባዕልኺ ክትሓሚ! ደሓር ድማ ኣልኦን ኣብቲ ዉዑይ ዕድመ ከም ዘላ ኣይትዘንግዒ! ኣብዚ ዘላቶ ዕድመ ህድእ ኢልኪ ጥራይ ኢኺ ከተስምዕያ ትኽእሊ።’’“ንሱስ ሓቅኺ ኢኺ! እንታይከ

ኰይነ’የ ተቓጺለ?” ደጋጊማ ኣስተንፈሰት። “ሓንቲ ስለ ዝኾነትኒ’ያ ካልእ ኣይኰነን። በሊ ሕጂ’ዉን ሓሪቐ እንከለኹ ክረኽባ ስለ ዘይደሊ ህድእ ኢልኪ ባዕልኺ ኣረድእለይ።’’ ተግባራ ጣዕሳ ኣሕዲሩላ ንጓላ ምርካብ ካልእ

መዘዝ ከየምጽአ እንከሎ ምሉቕ ኢላ ወጸት።

***ናይታ መዓልቲ ዶክተር ንሕሙማት

ዑደት እናገበረ እንከሎ ኣብ ሳምራዊ ምስ በጽሐ ደዉ ኢሉ ብትዂረት ጠመቶ። ሳምራዊ ካብ ዝነበሮ ተመሓይሹ ዉኖኡ ተመሊሱ በጻሕቱን ስድራኡን ከለሊ ጀሚሩ ነበረ። “ከመይ ኣለኻ?’’ ሓተተ ዶክተር ኣእዳዉ ንኣካላት ሳምራዊ እናተናኸፈ።“ሕጂ ደኣ ደሓን’የ።

ቃ ን ዛ ’ ዉ ን ብመጠኑ

ዝ ግ ኢሉለይ ኣ ሎ ። ሎሚ’የ ዉነይ ዝፈልጥ ዘለኹ።” ናብታ ጆሶ ዝነበራ እግሩ እናጠመተ መለሰ።“ነርስ ሓበሬታ ሂባትካዶ?’’“እወ፡ ደም ከም ዘድልየኒ ሓቢራትኒ

ኣላ። ስድራይ ደም ዝልግስ ሰብ ከናድዩ ከይዶም ኣለዉ። ሕጂስ ህይወተይ ተመሊሳ’ያ።” ምስጋንኡ ገለጸ ብልቡ።“ፖሊስ ካብ በዓልቲ ቤትካ ዝረኸብዎ

ሓበሬታ ጥራይ’ዮም ሒዞም ዘለዉ። ሕጂ ደሓን ስለ ዘለኻ ግና ካባኻ ቅልጡፍ ሓበሬታ ይደልዩ ኣለዉ። ስለዚ ክድዉለሎም’የ ተቐሪብካ ጽናሕ’’ በለ ዶክተር ናብ ካልኦት ሕሙማት እናሰገረ።

***ነብሱ ከም ደላላይ ዝሓሰባ ኣቶ

ዘርእዝጊ ኣብ ጐደና ሃንደፍ ሃንደፍ እናበለ እንከሎ’ዩ ምስ ዝፈልጦ ሰብ ጐፍ ተበሃሂሉ። ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም ብዛዕባ ነጥሪ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን መዘዝ ዘምጽእ ጉዳይ ኣጋጢምዎ ብምንባሩ፡ ከም ዘይረኣዮ መሲሉ ክሓልፍ ተደናዲኑ ነይሩ። እቲ ሰብ ግና ብስሙ ጸዊዑ ሻሂ ክሰቲ ስለ ዘገደዶ ክርሕቕ እናደለየ ከይፈተወ ተሰማምዐ። “እቲ ሓላፊ’የ ዝብለካ ዝነበረ ሰብከ ኣሎዶ?’’ ድሕሪ ሰላምታ ንኣቶ ዘርእዝጊ እታ ዝፈርሓ ሕቶ ገጠመቶ።ኣቶ ዘርእዝጊ ቅድሚ ምምላሱ

ኣኽመስመሰ። “ናበይ ደኣ ክኸይድ፡ ኣሎ እወ” በለ ሰሓቑ እናቐጸለ። “እቲ ዝገርመካ ኣብዚ ሃገር ሓለፍቲ

ክዀኑ ዝምነዩ ሰባት ማእለያ የብሎምን። ሓላፍነት ብዓቕሚ’ምበር ብልሳን ዝርከብ ዝመስሎም ብዙሓት’ዮም።’’ ኣቶ ዘርእዝጊ እቲ ዘረባ እናገረሞ ከም

ዝተሰማምዐ ግና ርእሱ ነቕነቐ። “ካብዚኦም ፍልይ ዝበሉ ድማ ኣ ለዉል ካ ። ሓ ል ፊ ጸዊዑኒ ፡ ም ስ

ሓ ላ ፊ ሻሂ ሰትየ፡

ን ኲ ስ ቶ ሓላፊ እፈልጦ’የ . . .እንታይ’ሞ ክትብሎም ኢኻ ጽቡሕን ዘይጽቡሕን ክዛረቡ ግዜኦም ዘጥፍኡ ኣደኦም ትቑጸሮም። “ሕቅኻ ኢኻ ኣለዉ’’ በለ ዘርእዝጊ

ነብሱ ሓራ ገይሩ። “ግና ደለይቲ ዓጽሚ ኰይኖም’ምበር ንኸምኣቶም ዝኣመሰሉ ሌፍ ክብሉ ዝዉዕሉ ሰባት፡ እንታይ እዝግሄር ዝጸልኣሉ ሓላፊ’ዩ ዝቐርቦም። ንሓላፊ ስለ ዝፈለጡ ሓላፊ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ጥራይ’ዮም።’’ “ይገርመካ’ዩ ዘርእዝጊ ሓወይ።

እንታይ ንኸዉን ኣለና ኣዝዩ’ዩ ዘተሓሳስበካ። ጉዳዩ ብቐጥታ ክሰልጦ ዝኽእል ሰብ ኣብ ክንዲ ብግቡእ ብኻልእ ክመጽኣካ ኰለል ይብል። ብቐጥታ እንተረኺብዎ ዕግበት ድዩ ዘይስምዖ ኰይኑ ካልእ ክርደኣካ ኣይክእልን’ዩ።” ኣዕሪፉ ንዘርእዝጊ ጠመቶ። “ነጥሪ ድዩ ዝበልካኒ እቲ ሓላፊ’የ በሃሊኸ?’’“ኣንታ ከመይ ገይርካኸ ዘኪርካ’ዮ?’’

ዘርእዝጊ ካብ ልቢ ዝነቐለ ስግኣት ሓደሮ። ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሰብ ድማ ቀዉ ኢሉ ጠመቶ።“እዋእ! ኣንታ ሰብኣይ ኣሪግካ

እምበር! መንነቱ ከረጋግጸልካ ባዕልኻዶ ኣይኰንካን ሓቲትካኒ?”“ኣዉሪዱለይ! ኣንታ ሚኪኤል

ከምኡ ዘይኰነ እቲ ዘረባ!” እቲ ጉዳይ ኣብ ነጥሪ ከይበጽሕ ሰጊኡ ንዝበሎ ከሓደ። “እንድዒ ከይተረድኣኒ ድማ ኢለካ ከይከዉን’’ እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰብ ከይኲሪ ሰጊኡ ዘረባኡ ኣመሓየሸ።“ኣቶ ዘርእዝጊ

ተጠንቀቕ!’’ በለ ሚኪኤል ዕ ት ብ ኢ ሉ ።

“ ሓ ጥ ያ ት ይዝራእ ይዕጸድ ኣብ

መወዳእታ ድማ ዋናኡ ይሓፍሶ’ዩ። ሓጥያት ትዘርእ እንተዄንካ ንሱ ክትሓፍስ ምዃንካ ተገንዘብ። ደላሎ ኣብ ክራይ ገዛ ፈጢርክሞ ዘለኹም ናህሪ ሓጥያት’ምበር ጽድቂ ኣየራብሓልኩም’ዩ።”“ኣዉሪዱለይ! ኣነስ ዝገብሮ

ዝፈልጥ’የ ሚካኤል ዓርከይ። እንታይ ዝሰማዕካለይ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ሓለፍቲ ደኣ እፈልጥ እንድየ። ግና ምስ ሓላፊ ዉዒለ፡ ሻሂ ኣስትዩኒ ኢለ ኣይፈልጥን’የ” ተመክሐ።“እቶም ሓላፍነት፡ ጾር ምስካም

ምዃኑ ዘይተረድኦም ሰባት’ዮም ከምኡ ዝብሉ። እምበር ኣብዚ ሃገር ሓላፊ ኰይንካ ዝርከብ ነገር የለን። ሓደ ነገር ክሓተካ ዝደሊ ኣቶ ዘርእዝጊ ግና ነዚ ሓላፊ’የ ዝብል ዘሎ ሰብ ክተራኽበኒ ምደለኹ።’’ኣቶ ዘርእዝጊ ቀልጢፉ ኣይሰንበደን።

ግና እቲ ዝመጽኦ ዝነበረ መዘዝ ቀሊል ከም ዘይኰነ ተረድኦ። “ኣንታ ሚኪኤለ ኣብ ዕላል ከምኡ ዝበሉና ሰባት’ሞ ክንደይ ኢልና ክንዝክሮም ኢና። ደሓር ድማ ኣብ ጥራሕ ዓቕሞም ሓለፍቲ ኢና እንተበሉና ንዒቕናዮም ንኸይድ’ምበር ዋጋ ክንህቦም፣ ካልእና ደኣ ነዐልል።’’“ኣቶ ዘርእዝጊ ደልየዮ ስለ ዘለኹ’የ’’

ዕትብ በለ ሚኪኤለ።“እሕብረካ!’’ ቀልጢፉ መለሰ።

“ዓቢ ጉዳይ ኣይኰነን። ግና ኣነ ከም ዝሓበርኩኻ ክፍለጥ የብሉን። ኣይበልኩን ክብል ስለ ዝኽእል ድማ መስካሪ ከይትገብረኒ ሓደራ።’’“ቃል ይኹነኒ፡ ንኽፈልጦ ጥራይ’የ

ዝሓተካ ዘለኹ።’’

***ወ/ሮ ታቦቱ ኣብ ልዕሊ ሳምራዊ

ተጋዲሙሉ ዝነበረ ዓራት ኰይነን ድንጋጽአን ብንብዓት ይገልጻ ነበራ። ሰለስተ ሰባት፡ ሚካያ፡ ፋኑኤልን ወ/ሮ ታቦቱን ዝኣተዉዋ ክፍሊ ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ወሲኽካ ዳርጋ መሊኣ ነበረት። “በሉ ሓንሳብ ኣዕልልዎ!’’ ብርኲታ ንበዓል ፋኑኤል ቦታ ክትገድፈሎም ኣደኣ ኣኸቲላ ወጸት።“ከመይ ትኸዉን ኣለኻ?’’ ፋኑኤል

ኣዒንቱ ኣብ ነብሲ ሳምራዊ ኣዕሪፉ ሓተተ። “ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ነይርካ’ምበር መጺአ ነይረ።’’“ሓቅኻ ኢኻ’’ በለ ሳምራዊ ክቐንዕ

እናፈተነ። “ፋኑኤል ጽግዕ ኢለ ኰፍ ክብል እዚኣ ሓግዘኒ” ብምባል ዓራት ከቕንዓሉ ሓበሮ። ፋኑኤል ኢዱ ናብ ወገን መተርኣስ ኣእትዩ ዓራት ብምቕናዕ ሳምራዊ ካብ ሕቖኡ ከም ዝቐንዕ ገበሮ። “ሽዑስ ሃለዋተይ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ሕጂ ግና ተመሓይሸ’የ። እግረይ ከምዚ ትርእያ ዘለኻ ጆሶ ተገይርዋ ኣሎ፡ ካልእ’ዉን ደሓን’የ። ከምቲ ጠያይት ዝተተኰሰኒ ረኺቡኒ እንተትኸዉን ፈጺመ ኣይምደሓንኩን’’ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ፍጻመ ከም ዝዘከሮ ብምስትንታን ርእሱ ነቕነቐ። “ሕጂስ ደም ጥራይ’ዩ ዘድልየኒ ዘሎ።’’“ብርኲታ ክትነግረኒ እንድያ ጸኒሓ።

ጸገም የለን ዝዀነካ እንተዀይኑ ኣነ ደም ክህበካ’የ።’’ ፋኑኤል ቃል ኣተወ።“ጽቡቕ!’’ ተሰማምዐ ሳምራዊ።

“ንስኻኸ ከመይ ኣለኻ? ኩሉኻትኩም ደሓን ዲኹም?’’“ንሕና ደኣ ደሓን ኢና ዝወደይ፡ እዚ

ናትካ ግና ኣሻቒሉና’’ በላ ወ/ሮ ታቦቱ ኣብቲ ዕላል እናተሓወሳ። “እንታይ ወደቓ ይበሃል እዚ? ሱቕ ኢልካ ናብ ፍጡር ሰብ ጠያይት ትትኲስ!’’ ተገረማ ሓዘነን እናገለጻ። “እታ ኪዳነምህረት መዕቆቢ ኣይትፍጠረሎም።’’“ብዛዕባ ጉዳይና ክንዘራረብ ምስ

መጻእኩ’የ ሓደጋ ከም ዘጋጠመካ ጐረባብቲ ሓቢሮሙኒ።’’ ኣመንጉዩ ፋኑኤል ተሓወሰ።“ሓቅኻ!’’ በለ ሳምራዊ ማህረምቱ

ቃንዛ ገይሩሉ ገጹ እናጸወገ። “ፈጣሪ እንታይ ከም ዝገበርክዎ ኣይፈልጥን ብኹሉ ይቆራቖሰኒ ኣሎ።’’

ይቕጽል

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 9

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 10

ኣመራርጻ ናይ ሃገርና ናይ ጸባ ከብቲ

ኣብ ሃገርና ባርካ፣ ዓራዶ፣ መዲን ዝብሃላ 3 ዓይነት ዓሌታት ከብቲ ኣለዋ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቍጽረን ኣስታት 2.2 ሚልዮን ዝበጽሓ ናይ ሃገርና ከብቲ ኣለዋ። ብተወሳኺ ብ2012 ዓ.ም. ካብ ዝተኣከበ ጸብጻብ፣ 32,000 ዝግመታ ጽሩያትን ዝተዳቐላን ናይ ጸባ ከብቲ ኣብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ይርከባ። ብሓፈሻ ናብ ፋብሪካ ዝኸይድ ጸባ፣ ካብዘን ጽሩያትን ዝተዳቐላን ጥሪት ዝእከብ እዩ። ይኹን’ምበር፣ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ናይዘን ምሩጻት ከብቲ ዝርከብ ጸባ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ሓደ ግዜ እቲ ካብዘን ምሩጻት ከብቲ ዝርከብ ጸባ ካብ 5-6 ሊትሮ ስለ ዘይሓልፍ፣ ዳርጋ ማዕረ እተን ሓድሓደ ናይ ሃገርና ዓሌት ዝህባኦ’ዩ ክበሃል ይከኣል።ናይ ኤርትራ መበቈል ዘሎወን ምሓዝ ናቱ ረብሓታት ኣሎዎ። ንክሊማን ሕማምን ይጻወራ፤ ብሕጽረት መግቢ ብዙሕ ኣይጥቃዓን፤ ቅንጹባት ስለ ዝኾና ገዚፍ ቦታ ኣይሕዛን፤ ብቐሊሉ ይጓሰያ፤ ደቀን’ውን ንማሕረስ የገልግሉ።

ብኣንጻሩ፣ ዝህባኦ ምህርቲ ጸባ ትሑት፣ ካብ ቀለብ ምራኽ ዘይሓልፍ እዩ። ምራኽ እንተዘይፈኒኻለን ጸባአን

ብቐሊሉ ኣይህባን። ድንጉይ ዕብየት የርእያ፤ ምስራር ከኣ ይድንጉያ። ዘሎዋና ጥሪት እተን ናይ ሃገርና መበቈል ዘሎወን ዘቡ - መጉዳን ዘሎወን ውሑድ ጸባን ስጋን ዘፍርያ ዓለት ክምደባ ከለዋ፣ እተን መበቈል ናይ ኤውሮጳ ዘሎወን ከኣ መንጉድ ዘይብለንን ብዙሕ ጸባን ስጋን የፍርያ።ሚዛን ናይ ዘቡ ብዓሌትን ቦታን ዝፈላለ ኾይኑ፣ ክሳዕ 250 ኪሎ ግራም ይምዘና። ጸባአን’ውን ኣብ ዓመት ካብ

200-500 ኪሎ ግራም ኣይሓልፍን። ብኣንጻሩ ናይ ኤውሮጳ ዓሌት፣ ሚዛነን 600 ኪሎ፣ ምህርቲ ጸባ ኸኣ 6000 ኪሎ ይበጽሕ። እቲ ፍልልይ ካብ ወለዶ ዝተወርሰን ብኣከባቢን ምሕደራን ድማ ዝተጸለወ እዩ።

ባርካ

ባርካ ዝብሃላ ዓይነት ከብቲ፣ መብዛሕትአን ኣብ ከባቢ ዞባ-ጋሽ ባርካ ዝርከባ ኾይነን፣ ብዝሐን ልዕሊ 1,200,000 ይግምገም። ካብ ጸብጻብ

ዞባታት ብዝተረኽበ ሓበሬታ፣ እቶት ጸባአን ካብ 3 ክሳዕ 7 ሊትሮ ይበጽሕ። ዝሕለባሉ መዓልትታት ብገምጋም 170 ይበጽሕ። ኣብ ዓመት ብገምጋም 600 ሊትሮ ጸባ ይህባ። ኣቃውማ ኣካላተን ነዋሕቲ ኾይነን ንስጋን ጸባን መዓላ የገልግላ። ዝበዝሕ እዋን ኣብ ከበሳን ምዕራባዊ ቆላን ንመፍረ ጸባ ተባሂለን ኣብ ውሽጢ ገዛ ይተሓዛ። ተባዕትዮ ንማሕረስን ስጋን የገልግሉ።

ዓራዶ

እዘን ዓይነት ከብቲ ኣብ ከበሳ እንረኽበን ጥሪት ኮይነን፣ ብዝሐን ኣስታት 800,000 ይበጽሕ። ኣብ ከበሳን ሓውሲ ከበሳን ከኣ ተዘርጊሐን ይርከባ። መጠን ሰብነተን ንእስ ዝበለ ስለዝኾነ፣ ብተዛማዲ ድማ ብዙሕ መግቢ ስለ ዘየህልኻን ምስቲ ኣብ ከበሳ ዘሎ ጽበት መጋሃጫ ዝኸዳ’የን። ካብአን ዝውለድ ተባዕታይ ኣብ ከበሳ ንማሕረስን ስጋን ተደላዪ እዩ። እቶት ጸባአን ካብ 1-2 ሊትሮ ካብ ሓንቲ ላም ኣብ መዓልቲ፣ ዝሕለባሉ መዓልትታት ከኣ ካብ 110 ኣይሓልፍን። ሃልኪን ትሑት ናይ ጸባ ስነ-ተወርሶን ቀልጢፈን ንኽነጽፋ ይገብረን።

መዲ ወይ ዓረቦ

ኣብ ምብራቓዊ ቆላ ካብ ባጽዕ ክሳብ እምበረሚ ኣብ ዘሎ ቦታታት ተዘርጊሐን ዝርከባ ዓይነት ከብቲ እየን። ሓንቲ ላም ኣብ መዓልቲ ካብ 3-5 ሊትሮ ጸባ ትሕለብ። እዘን ዓሌት እዚኣተን፣ ቁመተን ምስ ናይ ከበሳ ዓራዶ ተመጣጣኒ ስለዝኾነ፣ ንኽልቲአን ኣዳቒልካ ኣብ ምምሕያሽ ዓራዶ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብራ ይኽእላ’የን። ብዝሐን ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ፣ ንኸይጸንታ ዘርኢ ተባዕታይ ኣዋህሊልካ ናይ ምዕቃብን ምድቓልን ስራሓት ምክያድ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ንኸይጸንታ ዝግበር ንሓረስታይ ዝግደፍ ስራሕ ስለ ዘይኮነ፣ ኩሉ ዝምልከቶ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ዘሎዎ ጉዳይ እዩ። ብሓፈሻ ከብቲ ንምርባሕ ኣብ ዝካየድ ንጥፈት ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ መጋሃጫ ናይ ዝተፈላለያ ዓይነት ወይ ዓሌት ከብቲ ምትሕውዋስ ክህሉ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፣ ደረጃ ምሩጽ ደም (ዘርኢ) ክትዕቅብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። በዚ ኾይኑ በቲ ግና ነዘን ዝተሓነፈጻ ከብቲ ንኽልተ ነገራት፣ ማለት ንጸባን ማሕረስን ስለ እንደልየን ክልቲኡ ጥቕምታት ክንረኽበለን ዘይከኣል ኣይኮነን።

ዶ/ር ገብረሂወት ጠዓመ

ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና እንስሳ

ዓሌት መዲ

ከብቲ ባርካ

ከብቲ ዓራዶ እናማእረራ

ስም ተኽሊ ዝዕምብበሉ ወቕቲ

ዝርግሐ

ኣልቢዛ ለበክ ጥሪ - ግንቦት ጊንዳዕ፣ ነፋሲት (ትሕተ-ባይታ ማይ ዘለዎ ቦታ ይሰማምዖ)

ዓማም ገመል ጥሪ - ግንቦት ኣብ ከባቢ ደምበላስ፣ መራጉዝ፣ ሻምብቆ፣ ተኾምብያ

ቀይሕ ቀላሚጦስ ጥሪ - ሰነ

1,900-2,500 ሜ. ብራኸ፣ ኣብ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ፣ ዓዲቐይሕ፣ ሓልሓለ። ቀላሚጦስ

ማግደሊናቦትል ብራሽ መስከረም - ሕዳር

(ሓሓሊፉ ኣብ ካልኦት ኣዋርሕ ይዕምብብ)

ካብ ዝተሓተ ክሳብ 2,500 ሜ. ብራኸ፣ ኣብ ዘሎዎ ክለምዕ ይኽእል።

ሎኳት - ኣብ ሳቡርን ኣስመራን ይርከብሶንቋ - ኣብ ቆሓይቶ፣ ሰሜናዊ ባሕሪ፣

ደብረሲናሞሪሸስ ቶርን (ማይሶር ቶርን)

- ኣብ ሰገነይቲ፣ ኣስመራ፣ ዒላበርዕድ

ጋባ ጥቅምቲ (ሓሓሊፉ ኣብ ካልእ ወርሒ)

ኣብ ከባቢ እንዳ ገርግስ፣ ዑበልን ካልኦት ናይ ቆላ ጠባያት ዘሎዎም ቦታታትን ይርከብ።

ዒቃ ፈረንጂ ሰነ - ሓምለ ኣብ ከባቢ ቤት ገርግሽ ንሓጹር ተባሂሉ ኣብ ዝተተኽለሉ ቦታታት

ታህበብ ድሕሪ ናይ ኣዝመራ ይኹን ናይ ክረምቲ ዝናብ

ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ብብዝሒ ይርከብ

ጻዕዳ ዕንጨይቲ ሚያዝያ - ግንቦት ሰይዲሺ፣ ዓርበረቡዕ፣ ሰገነይቲ፣ ማዕረባ

ንሕባ ድሕሪ ናይ ኣዝመራ ይኹን ናይ ክረምቲ ዝናብ

ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ብብዝሒ ይርከብ።

መሕጸብ ገንኢ/ ግርብያ

ኣብ ናይ ክረምቲ ዝናብ (መስከረም - ጥቅምቲ)፣ ኣብ ናይ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝናብ (መጋቢት - ሚያዝያ)

ካብ ቆሓይቶ ክሳብ እምባ ሶይራ፣ ዓዲቐይሕ፣ ድግሳ፣ ፍሸይ-ምራር፣ ናላይ፣ ምሕላብ፣ ደብረሲናን ካልኦት ቦታታትን።

ገልገለ-መስቀል መወዳእታ ነሓሰ - መስከረም

ኣብ ዞባ ደቡብ ሰገነይቲ፣ ካብ መንጉዳ ክሳብ ዓዲዃላ፣ ላዕለዋይ ሩባ ዓንሰባ

ትንግታ መ ስ ከ ረ ም - ጥቅምቲ

ብብዝሒ ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ይርከብ

ዕምና ጥቅምቲ - ታሕሳስ ካብ ከባቢ መንደፈራ ክሳብ ዓዲዃላ ኣብ ዘሎ ቦታታት ይርከብ

ጮመር መስከረም ኣብ ሓውሲ ቆላ ቦታታት ይበቍል። ኣብ ከባቢ ሓልሓለ፣ መቐርካ፣ ዒላበርዕድ፣ ምብራቓዊ ኣጻድፍ፣ ብብዝሒ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፣ ንላዕለዋይ ክኢላ መፍረ ንህቢ ኣቶ ስምኦን ሳሙኤል ብምውካስ፣ ፍሉጣት ዕምባባታት ንህቢ ዘፍርዩ ኣትክልቲ ኣውጺእና ምንባርና ይዝከር። 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋሉ እንሆ፣-

ብተወሳኺ ዕምባባታት ናይ ኒሁግ፣ ረይፕ ሲድ (ንኣድሪ ዝመስል)፣ ሰናፍጭ (Simapus alba) ዝተፈላለዩ ዓይነት ሓምሊ ግሩምባ (ዓይነት ኣድሪ)፣ ሱፍን ማሸላን እዋን ጽቡቕ ምንጪ መዓር ምዃኑ ይፍለጥ።

ምድላው ካች-ኣፕ ብምቁር ድንሽ

ዘድልዩ ጥረ ነገራት ዓቐን

- ጥረ ምቁር ድንሽ (1 ኪሎ ግራም)፣ ማይ (1 ሊትሮ)፣ ቪነጋር (1 ሊትሮ)፣ ሽኮር (1/2 ኪሎ ግራም)፣ ጨው (4 ግራም)፣ ዝተወቕጠ ጅንጅብል (10 ግራም)፣ ዝተቐርደደ ሽጉርቲ (7 ግራም)፣ በርበረ (2 ግራም)፣ ጸሊም በርበረ (2 ግራም)

ኣገባብ ኣሰራርሓ ካች-ኣፕ ብምቁር ድንሽ

- ጥረ ምቁር ድንሽ ተቐሪፉ ከም ዝበስል ይግበር- ኩሎም ጥረ ነገራት ብሓባር ብማይ ይሕወሱ።- ዝተሓዋወሱ ጥረ ነገራት ብሓባር እና'ኾስካ ብሓባር ብሓዊ ይበስል።- ጽቡቕ ጌሩ ምስ በሰለ፣ ብዉዑዩ ኣብ ጽሩይ መትሓዚ ጥርሙዝ ይቕመጥ። ክሳዕ ዝዝሕል ድሕሪ ምጽባይ ድማ ንመዓላ መግቢ ይውዕል

ውከሳ፣ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ (ሓልሓለ)

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ማን ሲቲ፦ ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነት ማን

ሲቲ፡ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ዋንጫ ካፒታል እውን ኣብ ከብሓ ኣቐሚጣ እያ፣ እታ ካብ ሻዱሻይ ዙርያ ውድድር ኤፍ ኤ ክትዘልል ዘይከኣለት ጋንታ፡ ኣብ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ እውን ልዕሊ ብሉጻት 16 ክትወጽእ ይከኣለትን፣ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ድማ ንማንጋላ ላብ ፖርቶ ብ32 ሚልዮን ፓውንድ፡ ንፈርናንዶ ብ12 ሚልዮን፡ካባሌሮ ካብ ማላጋ ብ4.4 ሚልዮን፡ ንዙኩሊኒ ካብ ሬሲን ብ1.5 ሚልዮን፡ ንሳኛ ካብ ኣርሰናል ከምኡ ድማ ንላምፓርድ ካብ ኒውዮርክ ሲቲ ኣብ ሕቑፋ ኣእትያቶም ትርከብ፣ ንጋርሽያ፡ ሮድዌል፡ ባርይ፡ሌስኮት፡ ፓንቲልሞን፡ ሄንሻል፡ ዋባራ፡ ሁውስ፡ ደናየርን ሌጅን ናብ ካልእ ክለብ ዘፋነወት ሲቲ፡ ኣብ ግጥማት ቅድመ ምጅማር ዓመተ ስፖርት ንኣጥቃዒኣ ኣልቫሮ ኔግረዶ ከሲራቶ ኣላ፣ እቲ ተጻዋታይ ክሳብ መስከረም ኣይክህሉን እዩ፣ ንከም ሰሚር ናስሪን ሰርጆ ኣጕዌሮን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ውዕሎም ዘናውሐትሎም ሲቲ፡ ብኣርሰናል ኣብ ኮምዩኒቲ ሽልድ ምርትዓ ኣብ ዝስዕብ ጸወታኣ ሕማቕ ፋል ከይኮና ስግኣት ደገፍታ እዩ፣

ሊቨርፑል፦ካልኣይ ደረጃ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ዝሓዘት

ሊቨርፑል፡ ካብ ሓሙሻይ ዙርያ ውድድር ኤፍ ኤ እያ ተገሊፋ፣ እታ ዝሓለፈ ዓመት ዓቢ ዝላ ዘመዝገበት ጋንታ፡ ንላላና ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ25 ሚልዮን፡ ኣሎቨርን ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ20 ሚልዮን፡ ንማርኮቪች ካብ በነፊካ ብ20 ሚልዮን፡ ኤምረ ካብ ብ10 ሚልዮን ካብ ባየር ለቨርኩሰን፡ ንኦርጊ ካብ ሊል ብ10 ሚልዮን፡ ንላምበርት ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ4 ሚልዮን፡ ንማንኵልዮ ብመልክዕ ልቓሕ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ክትገዝእ እንከላ፡ ንስዋረዝ ናብ ባርሴሎና፡ ንሬና ናብ ባየር ሙኒክ፡ ንኬሊ ናብ ክሪስታል ፓላስ፡ ንኣፓስ ናብ ሰቪያ፡ ንኣልቤርቶ ናብ ማላጋ፡ ንኦርጊ (መሊሳ ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ሊለ ልኢኻቶ ኣላ) ከምኡ እውን ንስሚዝ ናብ ስዊንደን ኣፋንያ፣ እታ ንከም ገዲም ተጻዋታይ ጀራርድ ዝሓዘት ጋንታ፡ ብዘይ ስዋረዝ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት እንታይ ዓይነት ውጽኢት ከተመዝግብ እያ ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ኣሎ፣

ቸልሲ፦ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት ቸልሲ፡ ዝሓለፈ ዓመተ

ስፖርት ኣብ ካፒታል ዋን ርብዒ ፍጻመ፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ድማ ካብ ፍርቂ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝፍጻመ እያ ተገሊፋ፣ ካብ ሓሙሻይ ዙርያ ውድድር ኤፍ ኤ ክትዘልል ዘይከኣለት ቸልሲ፡ ንዲያጎ ኮስታ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ንፋብሬጋስ ካብ ባርሴላሎና፡ ንፍሊፐ ሉዊስ ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ንድሮግባ ካብ ጋላታሳራይ ኣሰጋጊራ ትርከብ፣ ንዴቪድ ሉዊስ ናብ ፒኤስጂ፡ ንሉካኩ ናብ ኤቨርተን፡ ንባ ናብ በሲክታስ፡ ንኮል ናብ ሮማ፡ ንላምፓርድ ናብ ኒውዮርክሲቲ፡ ንበርትራድ ናብ ሳውዝሃምፕተን፡ ንሃዛርድ ናብ ቦሩስያ ሞንቸግላድባሽ . . . ወዘተ ዘፋነወት ቸልሲ፡ ንሓለቓ ጋንታኣ ጆን ቴሪ ንሓደ ዓመት ምስኣ ክጸንሕ ኣፈሪማቶ ኣላ፣ ብተወሳኺ ንሓላዊ ልዳታ ኮርቶኣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ጻንሖት ኣብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ምምላሳ ልዳታ ጸኒዑ ክኸይድ ከኽእሎ እዩ፣

ኣርሰናል፦ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፕሪመር

ሊግ እንግሊዝ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ፣ ንውድድር ኤፍ ኤ ካፕ ዝተዓወተት እታ ለንደናዊት ክለብ፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምስ ብሉጻት 16 ክትስራዕ ክኢላ ነይራ፣ ሎሚ ዓመት ድማ ንከም ኣሌክስ ሳንቸዝ ካብ ባርሴሎና ብ35 ሚልዮን ፓውንድ፡ ንቻምበርስ ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ16 ሚልዮን ፓውንድ፡ ንደቡቺ ካብ ኒውካስል

ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ከምኡ ድማ ንኦስፒና ካብ ኒሰ ብ3 ሚልዮን ፓውንድ ገዚኣ ነዚ ዓመተ ስፖርት ክትኣቱ እያ፣ ኣብ ግጥም ኮምዩኒቲ ሽልድ ንማን ሲቲ 3ብ0 ዝሰዓረት ኣርሰናል፡ ንቶማስ ቨርማለን፡ ንኤስፈድ፡ ሳኛ፡ ፋብያንስኪ፡ ኣንሳ፡ ጀንኪንሰንን፡ ኣፎበን ናብ ካልኦት ክለባት ኣፋንያቶም ኣላ፣ ንኣጥቃዒ ካርሎስ ቬላ ናብ ሪያል ሶሴዳድ ብምፍናዋ 12 ሚልዮን ፓውንድ ዝተቐበለት ኣርሰናል፡ ንቲዮ ዋልኮት ብሰንኪ መጉዳእቲ ኣብ ቀዳሞት ጸወታታት ናይዚ ዓመተ ስፖርት ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን፣

ኤቨርተን፦ካብ ሻዱሻይ ዙርያ ውድድር ኤፍ ኤ ከምኡ

እውን ካብ ሳልሳይ ዙርያ ካፒታል ዋን ክትሓልፍ ዘይከኣለት ኤቨርተን፡ ንሉኩ ካብ ቸልሲ፡ ንበሲች ካብ ፍረንስቫሮስ፡ ንጋሎወይ ካብ ዶንስ፡ ንባሪ ካብ ማን ሲቲ ከምኡ ድማ ንኣስቱ ካብ ቸልሲ ኣፈሪማ፣ ንኣሰልጣኒኣ ሮቤርቶ ማርቲነዝ ንተወሰኽቲ ዓመታት ክኣልያ ዝወሰነት ኤቨርተን፡ ንጉየ፡ ሉንድስትራም፡ ከነዲን ናብ ካልእ ክለባት ኣሰጋጊራ፣ ብተወሳኺ ንናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ጆ ሮይለ ንመንእሰያት ተጻወትታ ክኣልየላ ዝቖጸረት ጋንታ፡ 27 መስከረም ምስታ ናይ ቀረባ መቐናቕንታ ዝኾነ ሊቨርፑል ፈላሚ ናይ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ጸወታኣ ከተካይድ ተሰሪዑላ ኣሎ፣ ኣስታት 28 ሚልዮን ፓውንድ ዝወጸሉ ሉካኩ፡ ዓንዲ ሕቖ እታ ጋንታ ክኸውን ትጽቢት ተነቢሩሉ ይርከብ፣

ቶተንሃም፦ሳልሳይ ዙርያ ኤፍኤን ርብዒ ፍጻመ ካፒታል

ዋንን፡ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ቶተንሃም ዝተገለፈትሉ ደረጃ ነይሩ፣ በን ዳቪስን ሚከል ቮርምን ካብ ስዋንሲ ብድምር 13 ሚልዮን ፓውንድ ዘውጽአት ቶተንሃም፡ ንዲየር ካብ ስፖርቲን ሊዝበን ከምኡ ድማ የድሊን ካብ ሲያትል ብ2.5 ሚልዮን ፓውንድ ወሲኻ፣ ንሲጉርሰን ናብ ስዋንሲ፡ ንሊቨርሞር ናብ ሃል፡ ንፋልኵ ናብ ጀኖኣ፡ ንጎመዝ ናብ ዋትፎርድ፡ ንሃል ናብ ቢርሚንግሃም . . . ወዘተ ዘፋነወት ቶተንሃም፡ ንኣሰልጣኒኣ ቲም ሺርዉድ ብምብራር ንናይ ሳውዝሃምፕተን ኣሰልጣኒ ፖቸቲኖ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣፈሪማ ኣላ፣ ንሓላዊ ልዳት ሁጎ ሎሪስ፡ ተኸላኻሊ ዳኒ ሮስ ከምኡ እውን ንሃሪ ኬን ንሓሙሽተ ዓመታት ውዕሎም ከተናውሓሎም እንከላ፡ ንገዲም ሓላዊ ልዳት (43 ዓመት) ብራድ ፍሪደል ድማ ንሓደ ዓመት ከተጽንሖ ወሲና ኣላ፣ ቶተንሃም ምስ ለንደናዊት ክለብ ኣርሰናል 27

መስከረም ፈታኒ ግጥም ይጽበያ፣

ማን ዩናይትድ፦

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ምሕዝነት ንሊቨርፑል ዝሰዓረት ማን ዩናይትድ፡ ኣብ ግጥም ኤፍ ኤ ካፕ ካብ ሳልሳይ ዙርያ፥ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ካፒታል ዋን ከምኡ ድማ ካብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምግላፋ ይፍለጥ፣ ንኣንደር ሄረራ ካብ ኣትለቲኮ ቢልባኦ ብ29 ሚልዮን ፓውንድ፡ ንሉክ ሻው ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ27 ሚልዮን ፓውንድ ከምኡ ድማ ንሚሊንኮቪች ካብ ቮጅቮዲና ብ1.4 ሚልዮን ፓውንድ ዘፈረመት ማን ዩናይትድ፡ ንባትነር ናብ ሳይናሞ ሞስኮ ብ4.4 ሚልዮን ፓውንድ፡ ንበበ ብ2.4 ሚልዮን ናብ በነፊካ፡ ንኤቭራ ብ1.2 ሚልዮን ናብ ጁቬንቱስ፡ ንቪዲች ናብ ኢንተርሚላን፡ ንማቸዳ ናብ ካርዲፍ፡ ንፈርዲናንድ ናብ ኪውፒኣር፡ ንሄንሪከዝ ናብ ዳይናሞ ዛግረብ . . . ወዘተ ኣፋንያ፣ ንኣሰልጣኒ ሉዊስ ቫን ሃል ዝቖጸረት ማን ዩናይትድ፡ ንሪያን ጊግስ ድማ ተሓጋጊዚኡ ገይራቶ ኣላ፣ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንሆላንድ ሒዙ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ቫን ሃል፡ ኣብ ፈላሚ ጸወታታት ናይዚ ዓመተ ስፖርት ንኣከፋፋሊ ሚካኤል ካሪክ ብሰንኪ ኣብ ብርኩ ዝገጠሞ ማህሰይቲ ክኽሰሮ እዩ፣ ማን ዩናይትድ፡ ምስ ትካል መፍረ ናውቲ ስፖርት ኣዲዳስ ብ750 ሚልዮን ፓውንድ ውዕል ንዓሰርተ ዓመታት ክትሰርሕ ብምስምምዓ፡ ፊናንሳዊ ዓቕማ መሊሱ ከምዝተደረዐ ይግለጽ፣

** ** **

ስዋረዝ ልምምድ ጀሚሩ

ተወሳኺ . . .

ብፊፋ ዝተበየነሉ ጽኑዕ መቕጻዕቲ ንኽለዓለሉ ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ቤት ፍርዲ ስፖርት ጥርዓኑ ዘቕረበ ሉዊስ ስዋረዝ፡ ብቕድሚ ትማሊ እቲ ቤት ፍርዲ ልምምድ ከካይድ ቀጠልያ መብራህቲ ከምዝወልዐሉ ተሓቢሩ፣

እቲ ወዲ 27 ዓመት ኡራጓያዊ ተጻዋታይ፡ ንኢጣልያዊ ተኸላኻሊ ጆርጆ ከሊኒ ብምንካሱ እዩ ካብ ንጥፈታት ስፖርት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእገድ ተወሲኑሉ፣ እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ብይን ፊፋ ዳግማይ ብምኽላስ፡ ምስ ደቂ ጋንታኡ ልምምድ ከካይድ ወሲኑሉ ይርከብ፣ በዚ ድማ እቲ ኣስታት 75 ሚልዮን ፓውንድ ብባርሴሎና ወጻኢታት ዝተገብረሉ ኣጥቃዒ፡ ኣብ ጎድኒ መሲ ከምኡ እውን ዣቪ ብፍሱህ መንፈስ ልምምድ ምጅማሩ ይግለጽ፣ ብተወሳኺ ስዋረዝ፡

ኣብ ግጥማት ምሕዝነት ክሳተፍ እውን በቲ ቤት ፍርዲ ተወሲኑሉ ይርከብ፣ በዚ ድማ ባርሴሎና ምስ ክለብ ሌኦን ኣብ እተካይዶ ግጥም ምሕዝነት ንመጀመርታ ግዚኡ ማልያ ባርሳ ወድዪ ክስለፍ ክኽእል እዩ፣ እንተኾነ ስዋረዝ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተበየነሉ ኡራጓይ ኣብ እተካይዶ ሸሞንተ ኣህጉራዊ ጸወታታት (ግጥማት ኮፓ ኣመሪካን ገለ መጻረዪ ንዋንጫ ዓለምን ኣይክሳተፍን እዩ) ናይ ዘምስላፍ መቕጻዕቲ ግን ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፣ ብኣንጻሩ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ እተካይዶም ግጥማት ምሕዝነት ግን ክህሉ ይኽእል እዩ፣

ስዋረዝ ኣብ ኣያክስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን (ሕዳር 2010) ንኖትማን ባካል፥ ኣብ 2013 ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን ድማ ንተጻዋታይ ቸልሲ ኢቫኖቪች ብስኑ ከምዝተሳህሎም ኣይርሳዕን፣

= ሻምፕዮን ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ማን ሲቲ፡ ኣብ ተጻወትታ ንእተካይዶ ዘላ ወፍሪ ብዕቱብ ቀጺላቶ ምህላዋ ይግለጽ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ 175 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ምግባራ ይትንተን፣ ትማሊ እታ ክለብ ንተኸላኻሊኣ ቪንሰንት ኮምፓኒ 130 ሚልዮን ፓውንድ ንሰሙን እናኸፈለት ክሳብ 2019 ከተጽንሖ ኣብ ስምምዕ በጺሓ ትርከብ፣ እቲ ምስ ማን ሲቲ ኽልተ ዘውድታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ዝደፍአ በልጁማዊ ተጻዋታይ፡ ሓንሳብ ዋንጫ ኤፍ ኤ ከምኡ ድማ ካፒታል ዋን ክዓትር ክኢሉ እዩ፣ እቲ ‘ጽኑዕ’ ተከላኻሊ፡ ተወሰኽቲ ዋንጫ ምስ ማን ሲቲ ክወስድ ከምዝደሊ ድማ ድሕሪ ምንባር ክታሙ የረድእ፣ “ናይ ሎሚ ዓመት መደብና ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምዕታር እዩ፣ ነዚ ድማ ምስዛ ኣዝየ ዝፈትዋ ክለበይ ክፍጽም እደሊ፣ እዛ ጋንታ ስለእተገድሰኒ ምስኣ ክሳብ 2019 ክጸንሕ ተሰማሚዐ እርከብ” ይብል እቲ ወዲ 28 ዓመት ተጻዋታይ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባል እታ ጋንታ ሰርጆ ኣጕዌሮ ንሰሙን 150,000 ፓውንድ እናተከፍለ ክሳብ 2019 ክጸንሕ ምስምምዑ ደይሊ መይል ትሕብር፣ እቲ ብክለባት ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን ክህደን ዝጸንሐ ተጻዋታይ፡ ኣብ ሜዳ ኢትሓድ ክጸንሕ ምስምምዑ፡ ነቶም በታ ክለብ ውዕሎም ከናውሑ ዝሕተቱ ዘለዉ ከም ጆ ሃርት፡ ኤዲን ዜኮ ከምኡ እውን ጀምስ ሚልነር ድፍኢት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት፣ ንማንጋላ ብ32 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ፖርቶ ዘፈረመት ማን ሲቲ፡ ነቲ ተኸላኻሊ ንሰሙን 100,000 ፓውንድ ክትከፍል እያ፣ እቲ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሜዳ ኢትሓድ ዝጸንሕ ተጻዋታይ፡ ኣብ ታሪኽ መሰጋገሪ ተጻወትቲ እንግሊዝ፡ ክብረወሰን (ካብ ተኸላኸልቲ ምዃኑ እዩ) ሒዙ ኣሎ፣

= ኣንቶንዮ ኮንተ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ካብ ናይ ምድብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2014 ክትዘልል ዘይከኣለት ኢጣልያ፡ ድሕሪ እቲ ትሑት ውጽኢት ንቦታ ናይቲ ዝራሕረሓ ኣሰልጣኒ ሴዛር ፕራንደሊ ክትትክእ ትጽዕር ነይራ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ

ንወዲ 45 ዓመት ኣሰልጣኒ ጁቬንቱስ ነበር ኣንቶንዮ ኮንተ ከተፈርሞ ምኽኣላ ትማሊ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ላ፣ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኢጣልያ፡ ነቲ ቦታ ንምምላእ ንከም ሮቤርቶ ማንቺኒ ዝኣመሰሉ ገዳይም ኣሰልጠንቲ ከጣይቕ ምጽንሑ ይንገር፣

= ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንኽጅመር ኣስታት 48 ሰዓታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፓላስ ቶኒ ፑሊስ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ተሓቢሩ፣ እቲ ወዲ 56 ዓመት ተጻዋታይ ኣሰልጣኒ ስቶክ ነበር፡ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት ብሉጽ ኣሰልጣኒ ዝብል ሽልማት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ሓደስቲ ተጻወትቲ ከፈርም ብዘይምኽኣሉ መዝነቱ ከረክብ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ፣ በዚ ድማ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ኬትዝ ሚለር ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝካየድ ግጥም ንቦታ ናይቲ ኣሰልጣኒ ተኪኡ ነታ ጋንታ ክኣሊ እዩ፣

= ናይ ቅድም ተጻዋታይ ክለባት ቸልሲን ፒኤስጂን ዝነበረ ክላውድ ማካለለ፡ ኣሰልጣኒ ክለብ በስቲያ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፣ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣንጻር’ታ ናይ ቅድም ክለቡ ፒኤስጂ ክገጥም መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ፣ እታ ክለብ ኣቐዲማ ምስ ማርሴ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3ብ3 ተፈላልያ ነይራ፣

= ኣከፋፋሊ ክለብ ማን ስቲ ዣቪ ጋርሽያ ምስ ክለብ ዜኒት ሴንት ፒተርስበርግ ንሓሙሽተ ዓመታት ክጻወት ብ13 ሚልዮን ፓውንድ ክታሙ ምንባሩ ተገሊጹ፣ ሲቲ፡ ኣብ 2012 ነቲ እስጳኛዊ ተጻዋታይ ካብ በነፊካ ንምፍራም ኣስታት 16 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ምግባራ ይዝከር፣

= ኣሰልጣኒ ክለብ ቸልሲ ሆሴ ሞሪኖ፡ ገዲም ሓላዊ ልዳት ክለቡ ፒተር ቼክ ኣብዚ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር ከምዝኽእል ከምዝነገሮ ቢቢሲ ሓቢሩ፣ ሞሪኖ ብብቕዓት ሓላዊ ልዳት ኮርቶኣ ተመሲጡ ምህላዉ ይግለጽ፣

መደብ ጸወታፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ሎሚማን ዩናይትድ - ስዋንሲ 2፡45ሌይስተር - ኤቨርተን 5፡00ኪውፒኣር - ሃል 5፡00

ስቶክ - ኣስቶን ቪላ 5፡00 ዌስትብሮም - ሳንደርላንድ 5፡00ዌስትሃም - ቶተንሃም 5፡00

ኣርሰናል - ክሪስታል ፓላስ 7፡30ጽባሕ

ሊቨርፑል - ሳውዝሃምፕተን 3፡30ኒውካስል - ማን ሲቲ 6፡00

ሓዳስ ኤርትራ 16 ነሓሰ 2014 - ገጽ 12

ሩት ተስፋይ

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓረስታይ ኣድጊ ኮብኪቡ ናብ ስራሑ ይኸይድ ነበረ። ኣብ መንገዲ እቲ ኣድጊ ሸተት ኢሉ ናብ ዒላ ኣተወ። እቲ ሓረስታይ ነቲ ኣድጊ ዘውጽኣሉ መንገድታት ክፍትሽ ጀመረ። ክረክብ ግን ኣይክኣለን።እቲ ሓረስታይ ነቲ ኣድጊ

ዘውጽኣሉ መንገዲ ምስ ሰኣነ፡ ነቲ ኣድጊ ገዲፉዎ ክኸይድ ወሰነ። ምኽንያቱ እቲ ኣድጊ ስለ ዝኣረገ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ንፉዕ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እቲ ሓረስታይ ሕጉስ ኣይኰነን ነይሩ። ስለዚ ነቲ ኣድጊ ኣብ ክንዲ ምውጻኡ ኣብቲ ዝኣተዎ ዒላ ምቕባሩ ይሓይሽ ኢሉ ሓሰበ። ኣብ ፈለማ እታ ዒላ ከይትባላሾ ፈሪሑ ነበረ። ደሓር ግን ማይ ከምዘይብላ ምስ ኣረጋገጸ፡ ኽቐብሮ ወሰነ። ኣብ ኢዶም ባዴላን ኣፍራዛን ሒዞም ዝነበሩ ሰባት ርእዩ ድማ ክሕግዝዎ ሓተቶም። ፍቓደኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ድማ ገሊኦም ብኣፍራዛ ክዂዕቱ እቶም ዝተረፉ ከኣ ሓመድ

ኣብዘን ስእልታት 20 ፍልልያት ርኸቡ

ዳይናሶራት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ እንስሳታት እቶም ዝገዘፉ ምዃኖም ሰሚዐ ኣለኹ። ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ካብ ገጽ ምድሪ ከምዝጠፍኡ’ውን ሰሚዐ’የ። ስለምንታይ ከምዝጸነቱ እባ ሓብሩኒ።

ኤልናታ ዮናስ

ዝተፈተኺ ኤልናታ፡ ሓቲትክዮ ዘለኺ ሕቶ ንብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣሸጊሩ ዘሎ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ብዛዕባ ምጥፋእ ዳይናሶራት ዝተዋህበ ንጹር መልሲ የለን። ብዙሓት ተመራመርቲ ነናቶም ሓሳባት’ዩ ዘለዎም። እቲ ካብ ኩሎም ሓሳባት ዝሓሸ ተቐባልነት ዘለዎ ግን ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ዝብል።ቅድሚ 65 ሚልዮን ዓመታት ሓደ

ኣዝዩ ገዚፍ ‘ኣስትሮይድ’ ናብ መሬት ወደቐ። ዳይናሶራት ዝነብሩሉ ዝነበረ ከባቢ ከኣ ብደሮና መልአ። እቲ ደሮና ብርሃን ጸሓይ ስለዝኸልከለ ኩነታት ኣየር እናዝሓለ ከደ። ነቲ ዛሕሊ ዳያናሶራት ክጻወሩዎ ኣይካኣሉን። ምኽንያቱ ዳይናሶራት ደመ-ዝሑላት

ስለዝዀኑ ካብ ብርሃን ጸሓይ እምበር ኣካላቶም ባዕሎም ከሙቑ ኣይክእሉን’ዮም። በዚ ምኽንያት ከምዝሞቱ ከኣ ይግለጽ። ተመራመርቲ ከም ዝገልጹዎ ልዕሊ

700 ዝተፈላለዩ ዓይነት ዳይናሶር ነይሮም። በላዕቲ ሳዕርን በላዕቲ ስጋን፡ ቀርኒ ዘለዎምን ዘይብሎምን፡ ብኽልተ መሓውሮም ወይ ብኣርባዕተ መሓውሮም ዝንቀሳቐሱ እናተባህሉ’ውን ይከፋፈሉ’ዮም። ዳይናሶራት ምስ ለመምቲ’ዮም ዝምደቡ። እንታይ ዓይነት ሕብሪ ከምዝነበሮም ዘረድእ ሓበሬታ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን። ክብደት ዳይናሶራት ካብ ዓሌት ናብ ዓሌት ዝፈላለ’ኳ እንተዀነ እቶም ዝገዘፉ ልዕሊ 1000 ኩንታል ከም ዝምዘኑ ይንገር።

ኣዛምድፍቱዋት ቈልዑ ነዞም ስእልታት፡ ምስቶም ኣብ ጐኖም ዘለው ናይ እንግሊዘኛ

ኣስማቶም ኣዛምዱዎም። እንተዘይፈሊጥኩሞም ከኣ መዝገበ-ቃላት ተወኪስኩም ወይ ንዝፈልጡ ሓቲትኩም መልሱዎም።

ጥበበኛ ኣድጊ

ብባዴላ ጸይሮም ናብታ ዒላ ክድርብዩ ጀመሩ። እቲ ኣድጊ ይቐብሩዎ ከምዘለዉ

ምስ ተረድኦ ኣምሪሩ በኸየ። ደሓር ግን ብኽያቱ ኣቋሪጹ ርእሱ ኣድነነ። እቶም ሰባት ስቕታ ናይቲ ኣድጊ ኣገረሞም። “ኣድጊ ዓሻ! ትቕበር’ኳ ኢኻ ዘለኻ” እናበሉ ከኣ ይላገጹ ነበሩ። እቲ ኣድጊ ግን ብዙሕ ኣይተጨነቐን። እቶም ሰባት ነታ ዒላ ቁሩብ ሓመድ

ምስ ገበሩላ እቲ ሓረስታይ ነቲ ኣድጊ ንምርኣይ ናብቲ ዒላ ተቐልቀለ። በቲ ዝርኣዮ ድማ ክኣምን ኣይክኣለን። እቲ ኣድጊ ኣብ ክንዲ እናተደፍነ ዝኸይድ፡ ዋላ ሓንቲ ከይኰነ ጸንሖ። ነገራቱ ገሪምዎ ከኣ ነቶም ሰባት ንምሕጋዝ ባዴላ ተቐበለ።እቲ ብልሓተኛ ኣድጊ ነቲ ኣብ

ሕቘኡ ዝወድቕ ዝነበረ ሓመድ ኣብ ዒላ ንምውዳቕ ኣካላቱ’ዩ ዘንቀሳቕስ ነይሩ። ጸጸኒሑ ከኣ ንላዕሊ ይዘልል ነበረ። በዚ ድማ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብቲ ንምቕባሩ ዝተደርበየ ሓመድ እናረገጸ ንላዕሊ ይወጽእ ነበረ።

እቶም ሓመድ ዝስንድዉ ዝነበሩ ሰባት እቲ ኣድጊ እንታይ ይገብር ከምዝንበረ ኣይፈለጡን። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣድጊ ተቐለቀለ። ኣብ ገጹ ድማ ናይ ሓጐስ ስምዒት ነበረ። ሃንደበት’ዉን ካብ ዒላ ዘሊሉ

ወጸ። እናሃለለ ከኣ ገዲፉዎም ተመርቀፈ።ፍቱዋት ቈልዑ ካብዛ ዛንታ

እንታይ ንመሃር? ዋላ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ተስፋ ክንቈርጽ ከምዘይብልና’ያ ትምህረና። እቲ ኣድጊ ከምቲ ዝጀመሮ ብኽያት ጥራይ እንተዝኸውን ክወጽእ ኣይምኽኣለን። ክሓስብ ስለዝጀመረ ግና ነቲ ንምቕባሩ ዝድርበ ዝነበረ ሓመድ ንመውጽኢኡ ተጠቒሙሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ። ስለዚ ተስፋ ክንቈርጽ ከምዘይብልናን ሽግራት ምስ ዘጋጥሙና ድማ ብኸመይ ከምንገጥሞም ክንሓስብ ከምዘለና’ያ ትምህረና።